እቲ ንነፍሲ ዝምልከት ሓቂ የገድስ ኢዩ
እቲ ንነፍሲ ዝምልከት ሓቂ የገድስ ኢዩ
“ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ። ”—ዮሃንስ 8:32
1. ነቲ ብዛዕባ ነፍስን ሞትን ዘሎና እምነት ክንምርምር ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ብዛዕባ ሞትን ብድሕሪኡ ዘሎ ህይወትን ዝምልከት እምነታት ብዓቢኡ ውጽኢት ሃይማኖታውን ባህላውን መበቈል ናይ ሓደ ሰብ ኢዩ። ከምቲ ርኢናዮ ዘለና: እዚ እታ ነፍሲ ናይ መወዳእታ መዕለቢኣ እትፈልጥ ድሕሪ ናይ ብዙሕ እንደገና ምውላድ ኢዩ ካብ ዝብል እምነት ጀሚሩ ክሳዕ እቲ ሓንሳብ እተሕልፎ ህይወት ነቲ መጻኢ ግዜ ዝውስን ኢዩ ዝብል ሓሳባት ዝዝርጋሕ ኢዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ሓደ ሰብ ኣብ መወዳእታ ምስቲ ዝለዓለ ህላወ ሓደ ከም ዝኸውን ይተኣማመን ይኸውን: እቲ ሓደ ኸኣ ኒርቫና ከም ዝበጽሕ ይተኣማመን: ገና ኻልእ ድማ ሰማያዊ ዓስቢ ከም ዝቕበል ይሓስብ ይኸውን። እሞ እቲ ሓቂ ድኣ እንታይ ኢዩ፧ እምነትና ንኣመለኻኽታና: ተግባራትና: ከምኡውን ውሳነታትና ዝትንክፎ ስለ ዝዀነ: መልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ ንምርካብ ክንግደስዶ የብልናን ኢና፧
2, 3. (ሀ) ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ ዝብሎ ነገር እምንቶ ክንገብር እንኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ: እቲ ብዛዕባ ነፍሲ ዘሎ ሓቂ እንታይ ኢዩ፧
2 ኣብ ዓለም እቲ ጥንታዊ ዝዀነ መጽሓፍ: መጽሓፍ ቅዱስ: ካብታ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊት ነፍሲ እተፈጥረትሉ ኣትሒዙ ናይ ሰብ ታሪኽ ይነግር ኢዩ። እቲ ትምህርትታቱ ካብ ፍልስፍናን ልምድን ናይ ሰብ ናጻ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ ዝምልከት ሓቂ ኣነጺሩ ይገልጽ ኢዩ:- ነፍስኻ ንስኻ ኢኻ: ምዉታት ፈጺሞም ኣብ ህላወ ዘየለዉ ኢዮም: ከምኡውን እቶም ኣብ ናይ ኣምላኽ መዘከርታ ዘለዉ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ክትንስኡ ኢዮም። እዚ ምፍላጥ ንዓኻ እንታይ ማለት ኢዩ፧
3 የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም። (ዮሃንስ 8:32) እወ: ሓቂ ሓራ ተውጽእ ኢያ። እንተዀነ ግን: እቲ ብዛዕባ ነፍሲ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ካብ እንታይ ኢዩ ናጻ ዘውጽኣና፧
ካብ ፍርህን ተስፋ ምቝራጽን ናጻ ምዃን
4, 5. (ሀ) እቲ ብዛዕባ ነፍሲ ዘሎ ሓቂ እንታይ ፍርሂ ኢዩ ዘወግድ፧ (ለ) ተስፋ ትንሳኤ ንሓንቲ ኣጸቢቓ ዝሓመመት ኰተቴ ትብዓት ከም እትረክብ ዝገበራ ብኸመይ ኢዩ፧
4 ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ “ብዙሓት ሰባት ንሞት ይፍርሁ: ብዛዕብኡ ምሕሳብ ድማ ከርሕቑ ይደልዩ” ይብል። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ “እታ ‘ሞት’ እትብል ቃል ንባዕላ ኣብ ምዕራብ ዳርጋ ዘይትጥቀስ ኢያ ኰይና ዘላ” ብምባል ይገልጽ። ኣብ ገለ ባህልታት ድማ ንሞት ናይ ሓደ ሰብ ንምግላጽ “ዓሪፉ” ከምኡውን “ሓሊፉ” ዝብል ጥዑም ቃላት ይጥቀሙ። ሞት ምፍራህ ነቲ ዘይፍለጥ ነገር ምፍራህ ማለት ኢዩ: ከመይሲ ንመብዛሕትኦም ሰባት ሞት ምስጢር ኢዩ። ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን ዝገልጽ ሓቂ ምፍላጥ ግን ነዚ ፍርሂ እዚ ዝቕንጥጥ ኢዩ።
5 ንኣብነት: ማይክለን እተባህለት ጓል 15 ዓመት ዝነበራ ናይ ኣእምሮ ኵነታት ርአ። ናይ ደም መንሽሮ ነበራ: ዘሰቅቕ ሞት ድማ ኣጋጠማ። ኣዲኣ ፓውላ ከምዚ ኢላ ትዝክር:- “ማይክለን ሞት ግዝያዊ ጥራይ ምዃኑ ስለ እትፈልጥ ብሙማታ ከም ዘይስምዓ ትዛረብ ነይራ። ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለምን ብዛዕባ እቶም ኣብኣ ዝትንስኡ ኵሎም ሰባትን ብዙሕ ንዛረብ ነበርና። ማይክለን ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ትንሳኤን ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እውን ትኹን ምጥርጣር ዘይብላ ዓባይ እምነት ነበረታ።” ተስፋ ትንሳኤ ነዛ ተባዕ መንእሰይ ጓል ብናይ ሞት ፍርሂ ካብ ምሽቝራር ናጻ ከም እትኸውን ገበራ።
6, 7. እቲ ብዛዕባ ነፍሲ ዘሎ ሓቂ ካብ ከመይ ዝበለ ተስፋ ምቝራጽ ኢዩ ናጻ ክገብረና ዝኽእል፧ መብርሂ ሃብ።
6 ሓቂ ንወለዲ ማይክለን ብኸመይ ተንከፎም፧ ኣቦኣ ጀፍ ከምዚ ይብል:- “ሞት ናይ ንእሽቶ ጓልና: ኣጋጢሙና ዘይፈልጥ ብርቱዕ ስቓይ ኢዩ ኰይኑና። እንተዀነ ግን ኣብቲ ናይ የሆዋ ናይ ትንሳኤ መብጽዓ ምሉእ ብምሉእ ንውከል ኢና: ሓደ መዓልቲ ንማይክለን እንሓቝፈሉ እዋን ድማ ብሃንቀውታ ንጽበ። ኣየ ሽዑስ ከመይ ዝበለ እንደገና ናይ ምርኻብ ግዜ ኰን ክኸውን ኢዩ!”
7 እወ: እቲ ብዛዕባ ነፍሲ ዘሎ ሓቂ ካብቲ ብሰንኪ ሞት ናይ እተፍቅሮ ሰብ ዝመጽእ ዓሚቝ ተስፋ ምቝራጽ ናጻ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ነቲ እተፍቅሮ ሰብ ክመውት ከሎ ዘጋጥመካ ስቓይን ሓዘንን ምሉእ ብምሉእ ከልግሶ ዝኽእል ሰብ ከም ዘየለ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር: ተስፋ ትንሳኤ ነቲ ሓዘን የውሕዶ: ነቲ ስቓይ ንኽትጾሮ ድማ ዝያዳ ዝቐለለ ዝገብሮ ኢዩ።
8, 9. እቲ ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት ዘሎ ሓቂ ካብ ከመይ ዝኣመሰለ ፍርሂ ኢዩ ናጻ ዝገብረና፧
8 እቲ ብዛዕባ ኵነታት ምውታት ዝገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ካብ ንምዉታት ምፍራህ እውን ናጻ ዝገብረና ኢዩ። እቶም ሓደ ግዜ ብመርገም: ሕማቕ ፋል: ጥንቈላ: ከምኡውን ሽሕር ዝኣመሰለ ንምዉታት ዝምልከት ናይ ጥንቈላ ጽምብላት ዝጭነቑ ዝነበሩ ንዕኡ ዝምልከት ሓቂ ካብ ዝማሃሩ ኣትሒዞም ብዛዕብኡ ምጭናቕ ገዲፎምዎ: ወይ ነቶም ኣባሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ንምቕሳን ከምኡውን ነቶም ህያዋን ንምህዳን ከይምለሱ ንምክልኻል ኢልካ ዝግበር ብዙሕ ወጻኢ ዘለዎ መስዋእትታት ኣይገብሩን ኢዮም። ብርግጽ: ምዉታት ‘ገለ እኳ ዘይፈልጡ’ ብምዃኖም ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ምንም ረብሓ የብሉን።—መክብብ 9:5
9 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ ነፍሲ ዝዛረብ ሓቂ ብርግጽ ሓራ ዝገብርን ትውክልቲ ዝግበሮን ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙልካ ዘሎ ብርቂ ዝዀነ ተስፋ እውን ርአ።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
እቲ ብዛዕባ ነፍሲ ዘሎ ሓቂ ንሞትን ንምዉታትን ካብ ምፍራህ: ብሞት ናይ እተፍቅሮ ሰብ ተስፋ ካብ ምቝራጽ ናጻ ይገብረካ