ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ ኢዩ፧

ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ ኢዩ፧

ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ ኢዩ፧

“ኦምሲ ተስፋ አለዎ: እንተ ተቘርጸ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ: . . . ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧ ”​— ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ሙሴ እተባህለ ነብዪ።

1-3.ብዙሓት ዘፍቅርዎ ሰብ ምስ ዝሞቶም ብኸመይ ኢዮም ምጽንናዕ ክረኽቡ ዝደልዩ፧

 ኣ ብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ሓደ ሬሳ ዝቕመጠሉ ገዛ: ፈተውትን ስድራቤትን ጸጥ ኢሎም ብጐኒ እቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ተሰሪዖም ደው ኢሎም ነበሩ። ንኣካላት ናይቲ ወዲ 17 ዓመት ይጥምትዎ ነበሩ። እቶም ናይ ቤት ትምህርቲ ኣዕሩኽቱ ከለልይዎ ኣይከኣሉን። እቲ ዝወስዶ ዝነበረ መድሃኒት ንጸጕሩ ወዲእዎ፣ ሕማም መንሽሮ ከኣ ነቲ ዝነበሮ ክብደት ከም ዝጐድል ገይርዎ ኢዩ። እዝስ እቲ ዓርኮም ዝነበረ ሰብ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ገለ ኣዋርሕ ይገብር: ብዙሕ ሓሳባት: ሕቶታት: ሓይሊ ዝነበሮ ህያው ኢዩ ነይሩ! እታ ብሓዘን እተደቝሰት ኣዲኡ ወዳ ገና ብህይወት ከም ዘሎ ብምግላጽ ተስፋን ምጽንናዕን ክህባ ዝኽእል ሓሳባት ክትረክብ ጸዓረት። ነቲ “ቶሚ ሕጂ ካብቲ ዝነበሮ ንላዕሊ ሕጉስ ኢዩ ዘሎ። ኣምላኽ ንቶሚ ምስኡ ኣብ ሰማይ ክኸውን ደልይዎ” ዝብል እተማህረቶ ሓሳባት እናደጋገመት ትነብዕ ነበረት።

2 ገለ 11,000 ዝኸውን ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ጃምናጋር: ህንዲ: እቶም ሰለስተ ደቂ ናይቲ 58 ዓመት ዝዕድሚኡ ነጋዳይ ንሬሳ ኣቡኦም ኣብቲ መንደዲ ቦታ ንምስቃል ይሕግዙ ነበሩ። ኣብቲ ድሙቕ ብርሃን ዝነበሮ ቅድሚ ቐትሪ: እቲ በዅሪ ውላድ ነቲ እተጸፍጸፈ ዕንጨይቲ ሓዊ ብምውላዕ: ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እቲ ህይወት ዘይነበሮ ኣካላት ኣቡኡ ጥዑም ዝጨንኡ ሕውስዋስ ቀመማትን ዕጣንን ብምፍሳስ ነቲ ዓስከሬን ብምንዳድ ዝግበር ናይ ቀብሪ ስነ⁠-​ስርዓት ጀመሮ። ናይቲ ሓዊ ቍልዒ በቲ “እታ ፈጺማ ዘይትመውት ነፍሲ ምስቲ ዝለዓለ ህላወ ማዕረ ንምዃን ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ እትቕጽል ይግበራ” ዝትርጕሙ ብራሃማ ብቛንቋ ሳንስክሪት ገይሩ ደጋጊሙ ዝብሎ ሃይማኖታዊ ቅኔ ኢዩ ዝጐሃሃር።

3 እቶም ሰለስተ ኣሕዋት ነቲ ንሬሳ ብምንዳድ ዝግበር ናይ ቀብሪ ስነ⁠-​ስርዓት ክዕዘቡ ከለዉ: ነፍሲ ወከፎም ድምጺ ከየስምዑ ‘ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ኢለ ይኣምን ድየ፧’ ኢሎም ንገዛእ ርእሶም ይሓቱ ነበሩ። ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ስለ እተማህሩ: እተፈላለየ መልሲ ሃቡ። እቲ ዝነኣሰ: እቲ ዘፍቅርዎ ኣቦኦም ዝበለጸ ዓይነት ህይወት ንምርካብ እንደገና ዝውለድ ኰይኑ ተሰምዖ። እቲ ማእከላይ ድማ ምዉታት ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ዘይሓስቡ: ዝደቀሱ ኢዮም ኢሉ ይኣምን። እቲ ዓቢ ድማ ምስ ሞትና እንታይ ከም ዘጋጥመና ብርግጽ ዝፈልጥ ሰብ ስለ ዘየለ ናይ ሞት ክውንነት ክቕበል ፈተነ።

ሓንቲ ሕቶ: ብዙሕ መልስታት

4.ንመዋእላት ዝኣክል ንደቅሰብ ከጨንቖም ዝጸንሐ ሕቶ እንታይ ኢዩ፧

4 ብድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ ኢዩ፧ እትብል ሕቶ ንደቅሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ከተደናግሮም ዝጸንሐት ሕቶ ኢያ። ሃንስ ኩንግ እተባህለ ናይ ካቶሊክ ምሁር “እቶም ናይ ሃይማኖት ምሁራት እውን ከይተረፈ እዛ ሕቶ እዚኣ ከተጋጥሞም ከላ ተጠራጢሮም ኢዮም” ይብል። ኣብዚ ዝሓለፈ መዋእላት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ኣስተንቲኖም ኢዮም: መልሲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ ዝቐረበ ሓሳባት ድማ ውሑድ ኣይኰነን።

5-8.እተፈላለያ ሃይማኖታት ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ኣሎ ዝበሃል ህይወት እንታይ ኢየን ዝምህራ፧

5 ብዙሓት ስመ⁠-​ክርስትያን ኣብ ሰማይን ሲኦልን ይኣምኑ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሂንዱ: ኣብ ሪኢንካርነሽን ይኣምኑ። ኣብ ሓደ ናይ ምስልምና ሃይማኖታዊ ማእከል ተሓጋጋዚ ዝዀነ ኣሚር ሙኣዊያ ብዛዕባ ናይ ኣስላም ኣራኣእያ ሓሳብ ክህብ ከሎ ከምዚ ይብል:⁠- “ድሕሪ ሞት ልክዕ ከምቲ ኣብ መጋባእያ ኣብ ቅድሚ ፈራዶ እትቐርብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ: ኣላህ: እትቐርበላ መዓልቲ ፍርዲ ምህላዋ ንኣምን ኢና።” ብመሰረት እዚ ናይ ምስልምና እምነት: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣላህ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብራ ህይወት ይምርምር: ነቲ ሰብ ድማ ናብ ገነት ወይ ናብ ሲኦል ሓዊ ክኣቱ ይፈርዶ።

6 ኣብ ሲሪላንካ ድማ ቡድሂስትን ካቶሊክን ካብ ስድራቤቶም ሓደ ሰብ ምስ ዝመውት ነቲ መዓጹን መሳኹትን ጋህ ኣቢሎም ይገድፍዎ። ቀንዴል ይበርህ: እቲ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ድማ እግሪ እቲ ዝሞተ ሰብ ናብ ማዕጾ ገጹ ከም ዝጥምት ተገይሩ ይቕመጥ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምትታት ምውሳድ መንፈስ ወይ ነፍሲ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ካብቲ ገዛ ንኽትወጽእ ይሕግዝ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ።

7 እቲ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ ሮናልድ ኤም. በርንት ድማ እቶም ኣቦርጂናውያን “ሰባት ዘይጠፍእ መንፈስ ኣለዎም” ኢሎም ከም ዝኣምኑ ይዛረብ። ገለ ናይ ኣፍሪቃ ቀቢላታት ድማ ተራ ሰባት ድሕሪ ሞት ናብ ምትሃት ክቕየሩ ከለዉ: ፍሉጣት ሰባት ግን ክብሪ ዝወሃቦምን ከም ዘይረኣዩ መራሕቲ ናይቲ ማሕበረሰብ ኰይኖም ዝልመኑን ናይ ኣባሓጎታት መናፍስቲ ይዀኑ ኢሎም ይኣምኑ።

8 ኣብ ገለ ሃገራት ብዛዕባ እቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ነፍሳት ናይ ምዉታት ዘሎ እምነት ናይቲ ከባቢ ባህልን ናይ ስመ⁠-​ክርስትናን ሕውስዋስ ኢዩ። ንኣብነት: ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ካቶሊክን ፕሮቴስታንትን ሓደ ሰብ ምስ ሞተ መንፈሱ ኣብቲ መስትያት ምእንቲ ከይርአ: ነቲ መስትያት ምሽፋን ልሙድ ኢዩ። ድሕርዚ ሞት ናይቲ እተፍቅሮ ሰብ 40 መዓልቲ ምስ ገበረ: እታ ነፍሲ ንሰማይ ዓሪጋ ብምባል ስድራቤትን ፈተውትን በዓል የብዕሉ።

ልሙድ ዝዀነ መዛረቢ ኣርእስቲ

9, 10.መብዛሕትአን ሃይማኖታት ኣብ እንታይ ዝብል መሰረታዊ እምነት ኢየን ዝሰማምዓ፧

9 ነቲ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን ዝብል ሕቶ ዝወሃቦ መልስታት ክንድቲ ባህልን እምነትን ናይቶም ዝገልጽዎ ህዝቢ ብዙሕ ኢዩ። እንተዀነ ግን: መብዛሕትአን ሃይማኖታት ኣብ ሓደ መሰረታዊ ዝዀነ ሓሳብ ይሰማምዓ ኢየን:⁠- ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ነገር⁠—​ነፍሲ: መንፈስ: ምትሃት​—⁠ዘይመውት ኢዩ: ብድሕሪ ሞት ድማ ምንባር ይቕጽል ኢዩ።

10 ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል እምነት ዳርጋ ብኣሽሓት ኣብ ዝቝጸራ ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ሃይማኖታትን ኣንቈራታትን ልሙድ ኢዩ። ኣብ ኣይሁድነት እውን ወግዓዊ ሰረተ⁠-​እምነት ኢዩ። ኣብ ሂንዱዝም ድማ ቀንዲ መሰረት ናይ ትምህርቲ ሪኢንካርነሽን ኢዩ። ኣስላም ነፍሲ ምስ ኣካል ኣብ ህላወ ትመጽእ: እቲ ኣካል ምስ ሞተ ግን ምንባር ትቕጽል ኢሎም ይኣምኑ። ከም ኣፍሪካን ኣኒምዝም: ሺንቶ: ከምኡውን ቡድሂዝም ዝኣመሰላ ካልእ እምነታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ እተፈላለየ ነገር ኢየን ዝምህራ።

11.ገለ ምሁራት ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧

11 ገለ ድማ: እቲ ክሓስብ ዝኽእል ህይወት ኣብ ግዜ ሞት የቋርጽ ኢዩ ብምባል ኣንጻር እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣረኣእያ ኣለዎም። ነዚኣቶም እቲ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ህይወት ኣብ ሓደ ዘይሰብኣዊ: ኣብ ሓንቲ ካብ ኣካል ወጻኢ ዝዀነት ነፍሲ ዀይኑ ይቕጽል ኢዩ ዝብል ሓሳባት ዘይምኽንያታዊ ኢዩ። ሚግወል ደ ኡናሙኖ እተባህለ ናይ መበል 20 ክፍለ⁠-​ዘበን ጸሓፍን ምሁርን ወዲ እስጳኛ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:⁠- “ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ምእማን: ነፍሲ ንኸይትመውት ጽቡቕ ትምኒት ኢዩ: እንተዀነ ግን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቆራጽነት ዝመልኦ መገዲ ምምናይ ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለት ዝጭፍልቕ: አረ ክንይኡ እውን ዝሓልፍ ነገር ኢዩ።” ካብ መንጎ እቶም ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ዝነጸጉ እቶም ፍሉጣት ዝነበሩ ናይ ጥንቲ ፈላስፋታት ኣሪስቶትልን ኤጲቁሬዎስን: እቲ ሓኪም ዝነበረ ሄፖክራተስ: እቲ ደቪድ ሂዩም እተባህለ ወዲ ስኮትላንድ ፈላስፋ: እቲ ኣቬሮስ እተባህለ ዓረባዊ ምሁር: ከምኡውን እቲ ብድሕሪ ናጽነት ናይ ህንዲ ቀዳማይ ሚንስተር ዝነበረ ጃውሃርላ ነይሩ ይርከብዎም።

12, 13.ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ እንታይ ኣገዳሲ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧

12 እቲ ሕቶ ግን: ብሓቂ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላትናዶ ኢያ፧ ዝብል ኢዩ። ነፍሲ ብሓቂ ትመውት እንተድኣ ኰይና: እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ከመይ ኢሉ ቀንዲ ክፍሊ ናይ መብዛሕትአን ሎሚ ዘለዋ ሃይማኖታት ኰይኑ፧ እቲ ሓሳባት ኣበይ ኢዩ ጀሚሩ፧ ነፍሲ ኣብ ግዜ ሞት ብሓቂ ካብ ህላወ ተቋርጽ እንተድኣ ኰይና: ነቶም ምዉታት እንታይ ተስፋ ኢዩ ክህልዎም ዝኽእል፧

13 ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ናይ ሓቅን ዘዕግብን መልሲ ክንረኽበሉ ንኽእልዶ ኢና፧ እወ: ንኽእል ኢና! እዝን ካልእ ሕቶታትን ኣብዚ ዝቕጽል ገጻት መልሲ ክወሃቦ ኢዩ። መጀመርታ: እዚ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ⁠-​እምነት ከመይ ኢሉ ከም ዝመነጨ ንርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]