ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ቅዱስ ምስጢር ምግላጽ

ሓደ ቅዱስ ምስጢር ምግላጽ

ምዕራፍ 6

ሓደ ቅዱስ ምስጢር ምግላጽ

1. ነቲ ኣብ ራእይ 1:10-17 ተገሊጹ ዘሎ ዘንጸባርቕ ስእሊ ብኸመይ ኢና ክንምልሰሉ ዝግባእ፧

 ናይቲ ልዕል ዝበለ የሱስ ትርኢት ብርግጽ ዘፍርህ ኢዩ! ምስ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብኡ ተዓዘብቲ ነይርና እንተ ንኸውን: ብዘይጥርጥር ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ኣብ ምድሪ ብምውዳቕ በቲ ኣዝዩ ኣንጸባራቒ ግርማ ምተዓብለልና ነይርና። (ራእይ 1:10-17) እዚ ብሉጽ መንፈስ ዝነፈሶ ትርኢት እዚ ሎሚ ንዓና ንኽንሰርሕ ምእንቲ ከለዓዕለና ተዓቂቡ ጸኒሑ ኣሎ። ከም ዮሃንስ ንሕናውን ንዅሉ ትርጕም ናይቲ ትርኢት ትሕት ኢልና ምስጋናና ከነርኢ ይግባእ። ነቲ የሱስ ከም ዝነገሰ ንጉስ: ሊቀ ኻህናት: ከምኡውን ፈራዲ መጠን ዘለዎ ስልጣን ኵሉ ግዜ ዓሚቝ ኣኽብሮት ዘሎና ንዅን።—ፊልጲ 2:5-11

“እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን”

2. (ሀ) የሱስ እንታይ መዓርግ ሒዙ ኢዩ ዝቐረበ፧ (ለ) የሆዋ: “ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ (ሐ) “እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን” ዝብል ናይ የሱስ መዓርግ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

2 እንተዀነ ግን: ፍርሃትና ጠንቂ ናይ ዘይጥዑይ ፍርሂ ክኸውን የብሉን። ከምቲ እቲ ሃዋርያ ቀጺሉ ገሊጽዎ ዘሎ: የሱስ ንዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ኣጸናንዖ:- “ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ: ከምዚ እናበለ፤ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ: ኣይትፍራህ።” (ራእይ 1:17ለ, 18ሀ) ኣብ ኢሳይያስ 44:6 የሆዋ “ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ: ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን” a ብምባል ንሱ በይኑን ኵሉ ዝኽእልን ኣምላኽ ከም ዝዀነ ብምጥቃስ ናይ ገዛእ ርእሱ ቦታ ብልክዕ ገሊጽዎ ኣሎ። የሱስ ከኣ “እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን” ዝብል መዓርግ ሒዙ ምቕራቡ ምስ የሆዋ: እቲ ዓቢ ፈጣሪ: ማዕርነት ከም ዘለዎ ኣይኰነን ዘርኢ ዘሎ። ንሱ ነቲ ብዝግባእ ብኣምላኽ እተዋህቦ መዓርግ ኢዩ ዘዘውትር ዘሎ። ኣብ ኢሳይያስ: የሆዋ ብዛዕባ እቲ ከም ሓቀኛ ኣምላኽ ዘለዎ ፍሉይ ቦታ ኢዩ ዘገለጸ። ንሱ ኣምላኽ ዘለኣለም ኢዩ: ብርግጽ ድማ ብዘይካኡ ካልእ ኣምላኽ የልቦን። (1 ጢሞቴዎስ 1:17) ኣብ መጽሓፍ ራእይ: የሱስ ናብቲ ፍሉይ ዝዀነ ትንሳኤኡ ኣቓልቦ ብምግባር ብዛዕባ እቲ እተዋህቦ መዓርግ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ።

3. (ሀ) የሱስ “እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን” ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ “መርሖ ሞትን ሲኦልን” ኣለዎ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፧

3 ብርግጽ ከኣ: የሱስ ካብ ምዉታት ናብ ዘይሓልፍ መንፈሳዊ ህይወት ዝተንስአ ‘እቲ ቐዳማይ’ ሰብ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:18) ብተወሳኺ ድማ: የሆዋ ባዕሉ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ‘እቲ ዳሕራይ’ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ “ህያውን . . . ንዘለኣለመ ኣለም ህያው” ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ናይ ዘይሙማት ባህሪ የስተማቕር ኣሎ። በዚ ኸኣ: ልክዕ ከምቲ “ህያው ኣምላኽ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘይመውት ኣቦኡ ኢዩ። (ራእይ 7:2፣ መዝሙር 42:2) የሱስ ባዕሉ ኸኣ ንዅሎም ካልኦት ሰባት “ትንሳኤን ህይወትን” ኢዩ። (ዮሃንስ 11:25) ምስ እዚ ብምስምማዕ ንዮሃንስ ከምዚ ይብሎ:- “ሞይተውን ነበርኩ: እንሆ ኸአ: ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ: መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ።” (ራእይ 1:18ለ) የሆዋ ምዉታት ንኸተንስእ ስልጣን ሂብዎ ኢዩ። ስለዚ እውን ኢዩ የሱስ ነቶም ብሞት እተኣስሩ ክፈትሓሉ ዝኽእል መርሖ ሞትን ሲኦልን (መቓብር) ኣሎኒ: ክብል ዝኽእል።—ምስ ማቴዎስ 16:18 ኣረኣእዮ።

4. ንኸመይ ዝበለ ትእዛዝ ኢዩ የሱስ ዝደግሞ: ንጥቕሚ መን ኢሉ ኢዩኸ፧

4 ኣብዚ የሱስ ነቲ ትርኢት ክጽሕፎ ዝሃቦ ትእዛዝ ብምድጋም ንዮሃንስ ከምዚ ይብሎ:- “ነቲ ዝርኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸውንን ጽሐፎ።” (ራእይ 1:19) ዮሃንስ: ከመይ ዝበለ ንመምርሒና ዝኸውን ዘሐጕስ ነገራት ኰን ኢዩ ከፍልጠና፧

ከዋኽብትን ቀወምቲ ቐንዴልን

5. የሱስ ነቶም “ሾብዓተ ኸዋኽብቲ” ከምኡውን “ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል” ብኸመይ ይገልጾም፧

5 ዮሃንስ ንየሱስ ኣብ ማእከል እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ቈይሙ: ኣብ የማናይ ኢዱውን ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ሒዙ ረኣዮ። (ራእይ 1:12, 13, 16) ሕጂ የሱስ ነዚ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:- [“ቅዱስ:” NW] ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን፤ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም እቶም መላእኽቲ እተን ሾብዓተ ማሕበራት [“ጉባኤታት:” NW] እዮም: እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት [“ጉባኤታት:” NW] እየን።”ራእይ 1:20

6. እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ንመን ኢዮም ዝምሰሉ: እቲ መልእኽቲ ብፍላይ ናባታቶም እተጻሕፈኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

6 እቶም “ኸዋኽብቲ:” “መላእኽቲ እተን ሾብዓተ ጉባኤታት እዮም።” ኣብ መጽሓፍ ራእይ ሓድሓደ ግዜ ኸዋኽብቲ ክበሃል ከሎ ቃል ብቓሉ ንመላእኽቲ ኢዩ ዘመልክት: ኣብዚ ግን የሱስ ነቶም ዘይርኣዩ መንፈሳውያን ፍጡራት መልእኽቲ ንኽጽሕፈሎም ሓደ ሰብኣዊ ጸሓፊ ተጠቒሙ ክበሃል ዘይመስል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: እቶም “ኸዋኽብቲ” ተባሂሎም ዘለው እቶም ከም ናይ የሱስ ልኡኻት ዝርኣዩ ኣብተን ጉባኤታት ዝርከቡ ሰብኣውያን ተዓዘብቲ: ወይ ሽማግለታት ክዀኑ ኣለዎም። b እዚኣቶም ንመጓሰ የሆዋ ናይ ምጕሳይ ሓላፍነት ስለ ዘለዎም: እቲ መልእኽቲ ናብቶም ኸዋኽብቲ ኢዩ ተላኢኹ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:28

7. (ሀ) የሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንሓደ መልኣኽ ጥራይ ምዝራቡ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ሓደ ሽማግለ ጥራይ ኣለዋ ማለት ከም ዘይኰነ እንታይ የርኢ፧ (ለ) በቶም ኣብ የማናይ ኢድ የሱስ ዘለዉ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ተመሲሎም ዘለዉ መን ኢዮም፧

7 የሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንዘሎ ሓደ “መልኣኽ” ስለ እተዛረበስ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ሓደ ሽማግለ ጥራይ ኢዩ ዘለዋ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣቐዲሙ ኣብቲ ጳውሎስ ዝነበረሉ ግዜ እታ ናይ ኤፌሶን ጉባኤ ሓደ ጥራይ ዘይኰነስ ሓያለይ ሽማግለታት ነይሮምዋ ኢዮም። (ራእይ 2:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:17) ስለዚ ኣብ ግዜ ዮሃንስ: ኣብተን ጉባኤታት (ነታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት እውን ሓዊስካ) ዝንበብ መልእኽቲ ናብቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ክላኣኽ ከሎ: እቶም ኸዋኽብቲ ንዅሎም እቶም ኣብታ ናይ የሆዋ ቅብእቲ ጉባኤ ኰይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣካል ሽማግለታት ዝምልከት ኢዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ: ተዓዘብቲ ነቲ ካብቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ዝመጸ ደብዳበታት ንጉባኤታቶም የንብቡለን ኢዮም: እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል እዚ ኸኣ በቶም ኣብ ትሕቲ ርእስነት የሱስ ኰይኖም ዘገልግሉ ቅቡኣት ተዓዘብቲ ዝቘመ ኢዩ። እቶም ናይታ ጉባኤ ኣካል ሽማግለታት ጉባኤታቶም ነቲ ናይ የሱስ ምኽሪ ይሕልውኦ እንተልየን ከረጋግጹ ኣለዎም። ልክዕ ኢዩ: እቲ ዝወሃብ ምኽሪ ነቶም ሽማግለታት ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ምስታ ጉባኤ ዝሓብሩ ዝጠቅም ኢዩ።—ራእይ 2:11ሀ ርአ።

8. እቶም ሽማግለታት ኣብ የማናይ ኢድ የሱስ ምህላዎም እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧

8 የሱስ ርእሲ ናይታ ጉባኤ ስለ ዝዀነ ሽማግለታት ከኣ ኣብ የማናይ ኢዱ ማለት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩን መሪሕነቱን ኢዮም ክበሃል ግቡእ ኢዩ። (ቈሎሴ 1:18) ንሱ ሓለቓ ጓሶት ክኸውን ከሎ ንሳቶም ከኣ ንኡሳን ጓሶት ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 5:2-4

9. (ሀ) እቶም ሸውዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ንምንታይ የመልክቱ: ቐዋሚ ቐንዴል ነዚ ዝሰማማዕ ምልክት ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ትርኢት ንሃዋርያ ዮሃንስ እንታይ ኰን ኣዘኻኺሩዎ ይኸውን፧

9 እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ እተን ዮሃንስ መጽሓፍ ራእይ ዝልእከለን ሸውዓተ ጉባኤታት ኢየን:- ኤፌሶን: ስሚርና: ጴርጋሞስ: ትያቲራ: ሳርዴስ: ፊላደልፍያ: ከምኡውን ሎዲቅያ። ጉባኤታት ብቐወምቲ ቐንዴል እተመሰላ ስለምንታይ ኢየን፧ ምኽንያቱ ክርስትያናት ብውልቀ-ሰብ ይኹን ወይ ብሓባር ብጉባኤ ደረጃ ኣብዛ ጸልማት ኣጐልቢብዋ ዘሎ ዓለም ‘ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከብርሁ’ ኣለዎም። (ማቴዎስ 5:14-16) ብተወሳኺ ቐወምቲ ቐንዴል ክፍሊ ናይቲ ኣብታ ናይ ሰሎሞን ቤት መቕደስ ዝነበረ ኣቝሑት ኢዩ። እተን ጉባኤታት ቐወምቲ ቐንዴል ተባሂለን ስለ እተጸወዓ: ብምሳልያዊ መገዲ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ናይቶም ቅቡኣት ጉባኤ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዝነብረላ “ቤት መቕደስ ኣምላኽ:” ምዃና ንዮሃንስ ኣዘኻኺርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:16) ከምቲ ኣብታ ምሳልያዊት ናይ ኣይሁድ ቤት መቕደስ ዝግበር ዝነበረ ስርዓት: እቶም ጉባኤ ናይ ቅቡኣት ኣባላት ኣብታ የሱስ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ ከምኡውን ኣብቲ የሆዋ ባዕሉ ብኣካል ዝርከበሉ ሰማያዊ ቅድስተ ቅዱሳን ዘሎ ዓቢ ናይ የሆዋ ስርዓት ቤት መቅደስ ከም “ናይ መንግስቲ ኽህነት” ኰይኖም የገልግሉ።—1 ጴጥሮስ 2:4, 5, 9፣ እብራውያን 3:1፣ 6:20፣ 9:9-14, 24

እቲ ዓቢ ክሕደት

10. ነቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብን ነቶም ዘይተናስሑ ደገፍቱን ብ70 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ወረዶም፧

10 ዮሃንስ ንመጽሓፍ ራእይ ክጽሕፋ ከሎ: ክርስትና ካብ ዝጅምር ድሮ ልዕሊ 60 ዓመት ገይሩ ነበረ። ኣብ መጀመርታ: ክርስትና ነቲ ካብ ኣይሁድነት ዝመጾ ዝነበረ ቀጻሊ ምጽራር ን40 ዓመት ዝኣክል ተዋጺኡሉ ኢዩ። ድሕርቲ ኸኣ እቶም ዘይናስሑ ኣይሁድ ሃገራዊ መንነቶምን ንዕኦም ከም ምስሊ ዝነበረት ናይ የሩሳሌም ቤት መቕደስን ምስ ጠፍአት: እቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ተወድአ።

11. እቲ ሓለቓ ጓሶት ነተን ጉባኤታት ብዛዕባ እቲ ዝዓቢ ዝነበረ ኵነታት ከጠንቅቖም ግቡእ ግዜኡ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 እንተዀነ ግን: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ማእከል እቶም ቅቡኣት ክርስትያን ክሕደት ከም ዝህሉ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ: እቲ ናይ የሱስ መልእኽትታት ድማ ኣብቲ ዮሃንስ ብዕድመ ደፊኡሉ ዝነበረ ግዜ ክሕደት ድሮ ይዓቢ ከም ዝነበረ የርኢ። ዮሃንስ ካብቶም ሰይጣን ንዘርኢ ናይታ ሰበይቲ ንኸባላሹ ብዘለዎ ኵሉ ክፍትን ከሎ ዝዓግቱ ዝነበሩ ሰባት እቲ ናይ መወዳእታ ኢዩ ነይሩ። (2 ተሰሎንቄ 2:3-12፣ 2 ጴጥሮስ 2:1-3፣ 2 ዮሃንስ 7-11) ስለዚ እቲ ናይ የሆዋ ሓለቓ ጓሶት ነቶም ኣብተን ጉባኤታት ዝነበሩ ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ዝዓቢ ዝነበረ ኵነታት ዘጠንቅቕን ነቶም ቅኑዓት ልቢ ድማ ኣብ ጐኒ ጽድቂ ጸኒዖም ደው ክብሉ ዘተባብዕን ሓሳባት ክጽሕፍ ግቡእ ኢዩ ነይሩ።

12. (ሀ) ክሕደት ድሕሪ እቲ ዮሃንስ ዝነበረሉ ክፍለ-ዘበናት ከመይ ኢሉ ዓበየ፧ (ለ) ህዝበ-ክርስትያን ብኸመይ ናብ ህላዌ መጸት፧

12 እተን ብ96 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበራ ጉባኤታት: ነቲ ናይ የሱስ መልእኽቲ ብኸመይ ከም ዝመለሻሉ ኣይንፈልጥን ኢና። እንተዀነ ግን: ድሕሪ ሞት ዮሃንስ ክሕደት ቀልጢፉ ከም ዝዓበየ ንፈልጥ ኢና። “ክርስትያናት” ስም የሆዋ ምጥቃም ኣቋረጹ: ኣብቲ ናይ ኢደ-ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱሳት ከኣ ነቲ ስም: “ጐይታ” ወይ “ኣምላኽ” ኢሎም ተክእዎ። ኣብቲ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ድማ እቲ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነት ስላሴ ናብተን ጉባኤታት ኣተወ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሓሳባት ተለምደ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናይ ሮሜ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ: ንሃይማኖት “ክርስትና” ሃገራዊ ተፈላጥነት ከም ዚረክብ ገበሮ: እዚ ኸኣ ህዝበ-ክርስትያን ከም እተስፋሕፍሕ ገበረ እሞ: ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ሽሕ ዓመታት ንኽገዝኡ ሓይሎም ኣተሓባበሩ። ሓድሽ ዓይነት “ክርስትያን” ንምዃን ቀሊል ነገር ኰነ። ኵለን ቀቢላታት ድማ ነቲ ናይ ቀደም ኣረማዊ እምነተን ምስ ስርዓታት ናይዚ ክርስትና እዚ ከም ዝሰማማዕ ገይረን ኣተዓራረይኦ። ብዙሓት መራሕቲ ህዝበ-ክርስትያን ከኣ ነቲ ናይ ክሕደት ኣረኣእያኦም ብሰይፊ ዘተኣታትዉ ጨቈንቲ ፖሊቲካውያን ገዛእቲ ኰኑ።

13. የሱስ ካብ ኣንቆራነት ክርሕቁ እኳ እንተ ኣጠንቀቐ: እቶም ክሓድቲ ክርስትያናት እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧

13 እቲ የሱስ ነተን ሸውዓተ ጉባኤታት ዝሃቦ ቃል በቶም ክሓድቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ምሉእ ብምሉእ ተነጽገ። የሱስ ንጉባኤ ኤፌሶን ነታ ቐዳመይቲ ፍቕሮም እንደገና ክመልሱ ኣጠንቀቖም። (ራእይ 2:4) እንተዀነ ግን: ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን ንየሆዋ ኢሎም ብፍቕሪ ፈጺሞም ኣይሓበሩን: ኣዕናዊ ውግእ ገበሩ: ብጭከና ኸኣ ብርቱዕ ናይ ሓድሕድ መስጐጕቲ ኣካየዱ። (1 ዮሃንስ 4:20) የሱስ ነታ ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበረት ጉባኤ ካብ ኣንቆራነት ክትርሕቕ ኣጠንቀቓ። ገና ግን: ኣብቲ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን እውን ከይተረፈ ኣንቆራታት ተራእየን ኢየን: ሎሚ እውን ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ንሓድሕደን ዘይሰማምዓ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ኣንቆራታትን ሃይማኖታትን ኣለዋኣ።—ራእይ 2:15

14. (ሀ) የሱስ ብመንፈስ ንኸይሞቱ እኳ እንተ ኣጠንቀቐ: እቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧ (ለ) እቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት ነቲ የሱስ ካብ ጣኦታትን ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራትን ክሕለዉ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ካብ ምቕላብ ዝሰነፉ በየናይ መገድታት ኢዮም፧

14 የሱስ ንጉባኤ ሳርዴስ ብመንፈስ ምውቲ ከይትኸውን ኣጠንቀቓ። (ራእይ 3:1) ኣምሰሉ ክርስትያናት ከምቶም ኣብ ሳርዴስ ዝነበሩ: ነቲ ክርስትያናዊ ዕዮታት ቀልጢፎም ረስዕዎ፣ ብዙሕ ከይጸንሑ ድማ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ ስብከት: እቶም ውሑዳት ገንዘብ ዝኽፈሉ ኣቕሽሽቲ ከም ዘካይድዎ ተገብረ። የሱስ ነታ ኣብ ትያቲራ ዝነበረት ጉባኤ ካብ ጣኦትን ምንዝርን ክትሕሎ ኣጠንቀቓ። (ራእይ 2:20) ምስናይ እዚ ግን ህዝበ-ክርስትያን ንምስልታት ብዕሊ ተቐበለቶ: ከምኡውን ነቲ ረቂቕ ዝዀነ ዓይነት ኣምልኾ ሃገራዊ ስምዒትን ፍቕረ-ንዋይን ሰሚራቶ ኢያ። ዘይስነ-ምግባራውነት: ሓድሓደ ግዜ ብኣፍ ሕማቕ ኢዩ እኳ እንተ ተባህለ: ወርትግ ሸለል ኢዮም ዝብልዎ።

15. እቲ የሱስ ነተን ሸውዓተ ጉባኤታት ዝበለን ቃላት ብዛዕባ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታት እንታይ ኢዩ ዘቃልዐ: ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲኸ እንታይ ምዃኖም ኢዮም ዘረጋገጹ፧

15 ስለዚ እምበኣር: እቲ የሱስ ነተን ሸውዓተ ጉባኤታት ዝበለን ቃላት: ኵለን ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ፍሉያት ህዝቢ የሆዋ ክዀና ከም ዘይበቕዓ ዘቃልዕ ኢዩ ነይሩ። ብርግጽ ከኣ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ እቶም ቀንዲ ምርኡያት ኣባላት ናይ ዘርኢ ሰይጣን ኰይኖም ጸኒሖም ኣለዉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚኣቶም ከም ‘ዓመጸኛ’ ገይሩ ብምጥቃስ ኣቐዲሙ ‘ኣመጻጽእኦም ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ: ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ሰይጣን ኢዩ ዝኸውን’ በለ።—2 ተሰሎንቄ 2:9, 10

16. (ሀ) ናይ ህዝበ-ክርስትያን መራሕቲ ኣንጻር መን ኢዮም ፍሉይ ጽልኢ ዘርኣዩ፧ (ለ) ኣብ እዋን ማእከላይ መዋእል ኣብ ህዝበ-ክርስትያን እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧ (ሐ) እቲ ናይ ፕሮተስታንት ዕልወት: ወይ ተሃድሶ ነቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ናይ ዕልወት መገድታት ለዊጥዎዶ፧

16 እቶም ሃይማኖታውያንን ዓለማውያንን መራሕቲ ህዝበ-ክርስትያን: ናይ መጓሰ ኣምላኽ ጓሶት ኢና እናበሉ ክነሶም: ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ዘተባብዐ ወይ ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ተግባራቶም ዘቃልዐ ዝዀነ ይኹን ሰብ ፍሉይ ጽልኢ ኣርእዮምዎ ኢዮም። ጆን ሃስ ከምኡውን እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጓሚ ዊልያም ቲንደል ተሰጒጎምን ሰማእት ኰይኖምን ኢዮም። ኣብቲ ድያብሎሳዊ ናይ ካቶሊክ ፍርዲ መናፍቓን እተገብረሉ ድቕድቕ ጸልማት ናይ ማእከላይ መዋእል: እቲ ናይ ክሕደት ግዝኣት ኣብቲ ዝለዓለ ጫፉ በጽሐ። ዝዀነ ይኹን ንትምህርቲ ወይ ስልጣን ቤተ-ክርስትያን ዝነጸገ ሰብ ብዘይ ምሕረት ይጭፍለቕ ነበረ: እዚ ዘይብሃሉ ኣሽሓት ሰባት ድማ መናፍቓን ተባሂሎም ክሳዕ ሞት ተሳቕዮም ወይ ኣብ ዕንጨይቲ ብሓዊ ነዲዶም ኢዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሰይጣን ንዝዀነ ናይ ሓቂ ዘርኢ ናይታ ብሰበይቲ ተመሲላ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ቀልጢፉ ከም ዝጨፍለቐ ከረጋግጽ ኢዩ ዝጽዕር ነይሩ። እቲ ናይ ፕሮተስታንት ዕልወት: ወይ ተሃድሶ ምስ ኣጋጠመ (ካብ 1517 ጀሚሩ ኣብ ዝነበረ ግዜ) ብዙሓት ናይ ፕሮተስታንት ቤተ-ክርስትያናት ተመሳሳሊ ናይ ዘይተጻዋርነት መንፈስ ኣርኣያ። ንሳተን እውን ነቶም ንኣምላኽን ክርስቶስን እሙናት ክዀኑ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ሰባት ብምቕታለን ናይ ደም ገበነኛታት ኰና። ብሓቂ: ‘ደም ቅዱሳት’ ከም ውሒዝ ፈሲሱ ኢዩ!—ራእይ 16:6፣ ምስ ማቴዎስ 23:33-36 ኣረኣእዮ።

እቲ ዘርኢ ይጽመም

17. (ሀ) እቲ ናይ የሱስ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝምልከት ምሳልያዊ ዛንታ እንታይ ኢሉ ኢዩ ኣቐዲሙ ዝነገረ፧ (ለ) ብ1918 እንታይ ተፈጸመ: ከመይ ዝበለ ምንጻግን ምሻምንከ ኢዩ ዘስዓበ፧

17 የሱስ: ኣብቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ: ህዝበ-ክርስትያን ዝለዓለት ገዛኢት ኣብ እትዀነሉ ግዜ ክህሉ ዘለዎ ጸልማት ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ዅሉ ናይ ክሕደት ክፍለ-ዘበናት ናይ ሓቂ ቅቡኣት ዝዀኑ ብስርናይ ዝምሰሉ ውልቀ-ሰብ ክርስትያናት ክህልዉ ነበሮም። (ማቴዎስ 13:24-29, 36-43) ስለዚ ኸኣ: ብጥቅምቲ 1914 መዓልቲ ጐይታ ክትበጽሕ ከላ: ኣብ ምድሪ ሓቀኛታት ክርስትያናት ነይሮም ኢዮም። (ራእይ 1:10) የሆዋ ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን: ብ1918 በቲ “መልኣኽ ቃል ኪዳን” ዝዀነ የሱስ ተሰንዩ ናብታ መንፈሳዊት ቤት መቕደሱ ንፍርዲ መጸ። (ሚልክያስ 3:1፣ ማቴዎስ 13:47-50) እቲ ጐይታ ነቶም ናይ ሓሶት ክርስትያናት ክነጽጎምን ነቲ ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኸኣ ኣብ ኵሉ ንብረቱ ክሸሞን’ ግዜኡ ኣኺሉ ነበረ።—ማቴዎስ 7:22, 23፣ 24:45-47 NW

18. ብ1914 ኣየነይቲ “ሰዓት” ኢያ ዝበጽሐት: እቲ ባርያኸ እንታይ ንኽገብር ኢዩ ግዜኡ ዝነበረ፧

18 ካብቲ ተገሊጹ ዘሎ ክንርእዮ ከም እንኽእል ድማ እዚ ባርያ እዚ: ነቲ ናብተን ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእከ ኣብ ናይ የሱስ መልእኽትታት ዘሎ ነገራት ፍሉይ ኣቓልቦ ዝገብረሉ ግዜ ኣኸለ። ንኣብነት: የሱስ ነተን ጉባኤታት ክፈርድ ኢሉ ከም ዝመጽእ ጠቒሱ ኣሎ: እዚ ፍርዲ እዚ ኸኣ ብ1918 ጀመረ። (ራእይ 2:5, 16, 22, 23፣ 3:3) ንጉባኤ ፊላደልፍያ ካብታ “ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና” ክሕልዋ ከም ዝዀነ ይዛረብ። (ራእይ 3:10, 11) እዛ “ሰዓት ፈተና” እዚኣ ኸኣ በቲ መዓልቲ ጐይታ ብ1914 ዝጀመረትሉ ግዜ ኢያ እትመጽእ: ብድሕሪኡ ኸኣ ኢዮም ክርስትያናት ኣብታ ቈይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት እተፈተነ።—ምስ ማቴዎስ 24:3, 9-13 ኣረኣእዮ።

19. (ሀ) እተን ሸውዓተ ጉባኤታት ሎሚ ንመን ኢየን ዘመልክታ፧ (ለ) ምስቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብብዝሒ ዝሓብሩ ዘለዉ መን ኢዮም: እቲ ናይ የሱስ ምኽርን ዝገለጾ ኵነታትንከ ንዓታቶም እውን ዝምልከት ስለምንታይ ኢዩ፧ (ሐ) ናብተን ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእከ ናይ የሱስ መልእኽትታት ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዝግባእ፧

19 በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: እቲ የሱስ ነተን ጉባኤታት ዝበሎ ቃላት ካብ 1914 ኣትሒዙ ዝዓበየ ፍጻሜኡ ክርኤ ጀመረ። ኣብዚ ኣገላልጻ እዚ: እተን ሸውዓተ ጉባኤታት: ንዅለን እተን ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዘለዋ ጉባኤታት ናይቶም ቅቡኣት ኢየን ዘመልክታ። ብተወሳኺ: ኣብዚ ዝሓለፈ ካብ 70 ዓመታት ዝበዝሕ ግዜ ነቶም ብዮሃንስ ተመሲሎም ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት: ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ ተስፋ ዘለዎም ሓያለይ ኣመንቲ ተወሲኾምዎም ኢዮም። ንዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ዝኸውን መለክዒ ናይ ጽድቅን ተኣማንነትን ሓደ ስለ ዝዀነ: እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ምኽርን: ነተን ሸውዓተ ጉባኤታት ክበጽሐን ከሎ ኣባታተን ዝረኸቦ ኵነታትን: ነዘን ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት እውን ዝውዕል ኢዩ። (ዘጸኣት 12:49፣ ቈሎሴ 3:11) ስለዚ እምበኣር: እቲ የሱስ ነተን ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት ዝሰደደለን መልእኽትታት: ነቲ ታሪኽ ናይ ምፍላጥ ምህንጣይ ዘዕግብ ጥራይ ኣይኰነን። ንነፍሲ ወከፍና ህይወት ወይ ሞት ማለት ኢዩ። እምበኣርከስ ንናይ የሱስ ቃላት ተጠንቂቕና ንስምዓዮ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብቲ ቦኽሪ ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ ኢሳይያስ 44:6 እተን “ቀዳማይን” ከምኡውን “ዳሕራይን” ዝብላ ቃላት ኣብ ቅድሚኤን ናይ ውሱን ኣመልካቲ ስም የብለንን። ኣብቲ ቦኽሪ ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ ራእይ 1:17 የሱስ ብዛዕባ ርእሱ ክገልጽ ከሎ ግን ናይ ውሱን ኣመልካቲ ስም ይርከብ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ብሰዋስዋዊ ኣገባብ ክርአ ከሎ እቲ ኣብ ራእይ 1:17 ዘሎ ንመዓርግ ከመልክት ከሎ: እቲ ኣብ ኢሳይያስ 44:6 ዘሎ ግን: ናይ የሆዋ ኣምላኽነት ዝገልጽ ኢዩ።

b እታ ኣጅ΄ጀ·ሎስ (ኣደማምጽኣ “ኣን΄·ሎስ”) እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ትርጕማ “ልኡኽ” ከምኡውን “መልኣኽ” ማለት ኢዩ። ኣብ ሚልክያስ 2:7 ሓደ ሌዋዊ ካህን ከም “ልኡኽ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ: (ብእብራይስጢ: ማል·’ኣክህ΄)።—ኣብ እግረ-ጽሑፍ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ ርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ሳጹን]

ግዜ ፈተናን ፍርድን

የሱስ ኣብ ጥቅምቲ 29 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ንጉስ ንኽኸውን ተጠምቀን ተቐብአን። ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን: ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ኸኣ ናብታ ናይ የሩሳሌም ቤት መቅደስ ብምኻድ ነቶም በዓቲ ጐሓሉ ዝገበርዋ ሰባት ኣባረሮም። እዚ ነቲ የሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝፋን ብጥቅምቲ 1914 ምስ ተቐመጠ ክሳዕ እቲ ነቶም ኣምሰሉ ክርስትያናት ክዕዘብን ፍርዲ ድማ ብቤት ኣምላኽ ክጅምር ዝመጸሉ ዝነበረ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝመሳሰል ኢዩ። (ማቴዎስ 21:12, 13፣ 1 ጴጥሮስ 4:17) ኣብ መጀመርታ ናይ 1918 እቲ ናይ ህዝቢ የሆዋ ናይ መንግስቲ ንጥፈታት ብርቱዕ ምጽራር ኣጋጠሞ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ናይ ፈተና ግዜ ነበረ: እቶም ፈራሃት ከኣ ተመምዮም ወጹ። ብግንቦት 1918 ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ብዘሳወርዎ ኣካየድቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘበዐኛ ተኣስሩ: ይኹን እምበር ትሸዓተ ወርሒ ጸኒሖም ተፈትሑ። ጸኒሑ ድማ እቲ ብሓሶት ተኸሲሶምሉ ዝነበሩ ኽሲ ፈሸለ። ካብ 1919 ኣትሒዞም ድማ ማሕበር ህዝቢ ኣምላኽ: ተፈቲኖምን ጸርዮምን: ንደቅሰብ ተስፋ ክትኰኖም እትኽእል እታ ብክርስቶስ የሱስ እትምራሕ መንግስቲ የሆዋ ምዃና ንኸፍልጡ ብቅንኢ ክእውጁ ንቕድሚት ገስገሱ።—ሚልክያስ 3:1-3

የሱስ ብ1918 ምዕዛብ ምስ ጀመረ: ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ብዘይ ጥርጥር ሕማቕ ፍርዲ ወሪዱዎም ኢዩ። ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ መስጐጕቲ ኣልዒሎም ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ነቶም ተዋጋእቲ ወገናት ብምድጋፎም ከቢድ ናይ ደም ዕዳ ተሰኪሞም ኢዮም። (ራእይ 18:21, 24) ሽዑ እቶም ኣቕሽሽቲ ተስፋኦም ኣብታ ሰባት ዘቘምዋ እተኣሳሰራ መንግስታት ገበሩ። ብ1919: ህዝበ-ክርስትያን ምስታ ናይ መላእ ዓለም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃጸይ ፈጺማ ስምረት ኣምላኽ ኣጥፍአት።

[ኣብ ገጽ 28, 29 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኤፌሶን

ስሚርና

ጴርጋሞስ

ትያቲራ

ሳርዴስ

ፊላደልፍያ

ሎዲቅያ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእልታት]

ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖት ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝተርጐሙ: ዘንበቡ: ሒዞም እተረኽቡ እውን ከይተረፈ ብምስጓጕን ብምቕታልን ከቢድ ናይ ደም ዕዳ ተሰኪማ ኣላ