ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን

ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን

ምዕራፍ 42

ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን

1. እቲ መልኣኽ ንዮሃንስ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ምስ መለሶ ዮሃንስ እንታይ ይገልጽ፧

 እቲ መልኣኽ ንዮሃንስ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ምስ መለሶ፣ እቲ ግርማዊ ትርኢት ድማ ምቕላዕ ይቕጽል። እንታይ ኢሉ ይገልጽ፧ “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም: ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ: ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ።” (ራእይ 21:1) ሓደ ዝምስጥ ትርኢት ይቕልቀል!

2. (ሀ) እቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን እተነበዮ ኣብቶም ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. እተመልሱ ኣይሁድ ብኸመይ ተፈጸመ፧ (ለ) ናይ ኢሳይያስ ትንቢት ካልእ ተወሳኺ ፍጻሜ ከም ዘለዎ ብኸመይ ንፈልጥ: እዚ ተስፋ እዝኸ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧

2 ኣማእታት ዓመታት ቅድሚ ግዜ ዮሃንስ: የሆዋ ንኢሳይያስ ከምዚ ዝስዕብ ኢልዎ ነበረ:- “ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ: እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ።” (ኢሳይያስ 65:17፣ 66:22) እዚ ትንቢት እዚ እቶም እሙናት ኣይሁድ ን70 ዓመታት ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ድሕሪ ምጽናሕ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሱ ቀዳማይ ፍጻሜኡ ረኸበ። ኣብቲ ምምላስ እቲ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ መንግስታዊ ኣገባብ: ማለት ‘ሓድሽ ሰማይ’ ዝመሓደር ዝጸረየ ማሕበረሰብ: ‘ሓድሽ ምድሪ’ መስረቱ። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ብምባሉ: እቲ ትንቢት ካልእ ፍጻሜውን ከም ዝህልዎ ኣመልኪቱ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ሕጂ ኸኣ ዮሃንስ እዚ ተስፋ እዚ ብመዓልቲ ጐይታ ከም ዝፍጸም የርኢ ኣሎ። “እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን:” ናይ ሰይጣን እተመሓደረ ኣገባብ ምስቲ ጽልዋ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዘለዎ መንግስታዊ ቅርጹ ክሓልፍ ኢዩ። እቲ ዝናወጽ ‘ባሕሪ’ ናይቶም እኩያት ዓለወኛታት ደቅሰብ ካብ ህላወ ከቋርጽ ኢዩ። ኣብ ቦትኡ “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን”—ኣብ ትሕቲ እታ ሓዳስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሓደር ሓድሽ ምድራዊ ማሕበረሰብ—ክኸውን ኢዩ።—ምስ ራእይ 20:11 ኣረኣእዮ።

3. (ሀ) ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ: ሓዳስ የሩሳሌምከ እንታይ ኢያ፧ (ለ) ሓዳስ የሩሳሌም ‘ካብ ሰማይ እትወርድ’ ብኸመይ ኢያ፧

3 ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እታ ቅድስቲ ኸተማ: እታ ሓዳስ የሩሳሌም: ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ: ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ።” (ራእይ 21:2) ሓዳስ የሩሳሌም እታ በቶም ክሳዕ ሞት እሙናት ብምዃን ምስቲ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ነገስታትን ካህናትን ምእንቲ ክዀኑ ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቘመት መርዓት ክርስቶስ ኢያ። (ራእይ 3:12፣ 20:6) ከምቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ምድራዊት የሩሳሌም ናይ መንግስቲ መንበሪ ዝዀነት: እታ ምልክዕቲ ሓዳስ የሩሳሌምን መርዓዊኣንውን ናይቲ ሓድሽ ኣገባብ መንግስቲ ከቝሙ ኢዮም። እዚ እቲ ሓድሽ ሰማይ ኢዩ። እታ መርዓት ‘ካብ ሰማይ ክትወርድ’ ኢያ: እዚ ግን ቃል ብቓሉ ዘይኰነስ ቈላሕትኣ ናብ ምድሪ ብምግባር ኢያ ትገብሮ። እታ መርዓት: እቲ ገንሸል ነቲ ጽድቃዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ወድሰብ ከዘውትሮ ሓጋዚቱ ኽትከውን ኢያ። እዚ ነታ ሓዳስ ምድሪ ብሓቂ በረኸት ኢዩ!

4. ኣምላኽ ምስቲ ሓድሽ ዝቘመ ህዝቢ እስራኤል ዝገበሮ መብጽዓ ዝመሳሰል እንታይ መብጽዓ ኢዩ ዝገብር፧

4 ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ይብለና:- “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ።” (ራእይ 21:3) የሆዋ ምስቲ ሽዑ ሓድሽ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል ሕጊ ኪዳን ክገብር ከሎ ከምዚ ኢሉ ተመባጽዐ:- “ማሕደረይ ድማ ኣብ ማእከልኩም ክገብር እየ: ነፍሰይ ከኣ ኣይትፍንፍነኩምን። ኣብ ማእከልኩም ድማ እኸይድ: ኣምላኽኩምውን እኸውን: ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ትዀኑኒ።” (ዘሌዋውያን 26:11, 12) ሕጂ የሆዋ ንእሙናት ሰባት ተመሳሳሊ መብጽዓ ይገብረሎም ኣሎ። ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት መዓልቲ ፍርዲ ንዕኡ ኣዝዮም ፍሉያት ህዝቢ ክዀኑ ኢዮም።

5. (ሀ) ኣምላኽ ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ምስ ሰባት ዝነብር ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ድሕሪ እቲ ሽሓዊ ግዝኣት ምስ ሰባት ዝነብር ብኸመይ ኢዩ፧

5 የሆዋ ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት በቲ ንጉስ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ተወኪሉ ከም ግዝያዊ ምድላው ምስ ደቅሰብ “ኪነብር” ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት: የሱስ ግዝኣት እታ መንግስቲ ንኣቡኡ ምስ ኣረከቦ: ንጉሳዊ ወኪል ወይ ኣማላዲ ኣየድልን ኢዩ። የሆዋ ብመንፈስ ምስ “ህዝቡ” ንዅሉ ግዜን ቀጥታውን ብዝዀነ መገዲ ክነብር ኢዩ። (ምስ ዮሃንስ 4:23, 24 ኣረኣእዮ።) እዝስ ነቶም እተመልሱ ደቅሰብ ኣየ ኸመይ ዝበለ ክብ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!

6, 7. (ሀ) ዮሃንስ እንታይ ዓቢ መብጽዓ ኢዩ ዝገልጽ: ነቲ በረኸታትከ መን ከስተማቕሮ ኢዩ፧ (ለ) ኢሳይያስ ብዛዕባ መንፈሳዊትን ስጋዊትን ገነት ዝገልጽ ብኸመይ ኢዩ፧

6 ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ [“ቃንዛ:” NW] ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” (ራእይ 21:4) እዚውን እንደገና ነቲ ቐደም ብመንፈስ እተጻሕፈ መብጽዓታት ዘዘኻኽረና ኢዩ። ኢሳይያስውን ነቲ ሞትን ሓዘንን ዘይህልወሉ: ጓሂ ድማ ብሓጐስ ዝትከኣሉ ግዜ ብተስፋ ይጸበዮ ነይሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 25:8፣ 35:10፣ 51:11፣ 65:19) ሕጂ ኸኣ ዮሃንስ እዚ መብጽዓታት እዚ ኣብቲ ናይ ሸሕ ዓመት መዓልቲ ፍርዲ ዘደንቕ ፍጻሜ ከም ዝህልዎ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። መጀመርታ እቶም ዓቢ ጭፍራ ነቲ በረኸታት ከስተማቕርዎ ኢዮም። “እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል” ከየቋረጸ ክጓስዮም ‘ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ክመርሖም: ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ።’ (ራእይ 7:9, 17) ኣብ መወዳእትኡ ግን: ኵሎም እቶም ካብ ምዉታት ዝትንስኡ ኣብቲ ናይ የሆዋ ምድላው ከኣ እምነት ዘርእዩ ሰባት ኣብኡ ምስኦም ሓቢሮም ክህልዉን መንፈሳዊትን ስጋዊትን ዝዀነት ገነት ድማ ከስተማቕሩ ኢዮም።

7 “ሽዑ” ይብል ኢሳይያስ “ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን።” እወ: “ሸዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል” ኢዩ። (ኢሳይያስ 35:5, 6) ኣብቲ ግዜ እቲውን “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን: ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ: ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።” (ኢሳይያስ 65:21, 22) ስለዚ ካብ ምድሪ ፈጺሞም ኣይክመሓዉን ኢዮም።

8. የሆዋ ባዕሉ ብዛዕባ ሓቅነት ናይዚ ዓበይቲ መብጽዓታት እዚ እንታይ ይብል፧

8 ነዚ መብጽዓታት እዚ ከነስተንትኖ ኸሎናስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ስእልታት ኰን ኢዩ ኣብ ኣእምሮና ዝመልእ! ነቶም እሙናት ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ ሰማይ ፍቕራዊት መንግስቲ ዘደንቕ ምድላው ኢዩ ተዓቚሩ ዘሎ። እዚ መብጽዓታት እዝስ ክእመን ዘይክእል ድዩ፧ ናይ ሓደ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ ዝነበረ ኣረጊት ሰብኣይ ሕልምታት ጥራይ ድዩ፧ የሆዋ ባዕሉ ከምዚ ብምባል ይምልሽ:- “እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፤ እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ: በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ: ጽሐፍ: በለኒ። ቀጺሉ ኸኣ፤ እዚ ኽዉን እዩ: ኣልፋን ኦሜጋን: መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።”—ራእይ 21:5, 6ሀ

9. እዚ መጻኢ በረኸታት እዚ ከም ዝፍጸም ርግጽ ገይርካ ዝርአ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 የሆዋ ባዕሉ ንእሙናት ደቅሰብ ናይዚ በረኸታት እዚ ውሕስነት ወይ ናይ ስምምዕ ሰነድ ከም ዝፈረመ ኢዩ ዝሕሰብ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ውሕስነት ዝህብ ክጠራጠሮ ዝደፍር መን ኢዩ፧ እዚ መብጽዓታት እዚ ኣዝዩ ርግጽ ካብ ምዃኑ እተላዕለ የሆዋ ድሮ ከም እተፈጸመ ገይሩ ኢዩ ዝዛረበሉ: “እዚ ኽዉን እዩ” ድማ በለ። የሆዋ “ኣልፋን ኦሜጋን . . . እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል” ኣምላኽዶ ኸይኰነ፧ (ራእይ 1:8) ብርግጽ ከምኡ ኢዩ! ንሱ ባዕሉ ከምዚ ይብል:- “ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ: ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን።” (ኢሳይያስ 44:6) ከምኡ ብምዃኑ ድማ: ትንቢታት ብመንፈስ ከም ዝጸሓፉ ክገብርን ሓደ ብሓደ ክፍጽሞምን ይኽእል ኢዩ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ እምነትካ ዘበራትዕ ኰን ኢዩ! ስለዚ ከምዚ ኢሉ ይመባጻዕ:- “እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ”! እዚ ዘደንቕ ነገራት እዚ ብሓቂ ይፍጸምዶ ዀን ይኸውን ኢልና ኣብ ክንዲ ምጥርጣር: ‘ኣነ ብወገነይ ከምዚ ዝበለ በረኸታት ንምውራስ እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧’ ኢልና ክንሓስብ ይግብኣና።

ነቶም ዝጸምኡ ዝኸውን “ማይ”

10. የሆዋ ዝህቦ “ማይ” እንታይ ኢዩ: እዚኸ እንታይ የመልክት፧

10 እቲ “ኣነ ንዝጸምኤ ኻብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ” ዝብል የሆዋ ባዕሉ ኢዩ። (ራእይ 21:6ለ) ሓደ ሰብ ነዚ ጽምኢ እዚ ንምርዋይ ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሌቱ ንቑሕን ካብቲ የሆዋ ዘዳለዎ “ማይ” ክቕበል ፍቓደኛ ክኸውንን ኣለዎ። (ኢሳይያስ 55:1፣ ማቴዎስ 5:3) እዚ “ማይ” እዚ እንታይ ኢዩ፧ ነዚ ሕቶ እዚ የሱስ ንሓንቲ ኣብ ሰማርያ ኣብ ጥቓ ዒላ ዝነበረት ሰበይቲ ክምስክረላ ኸሎ ባዕሉ መሊሽዎ ኢዩ። ከምዚ ድማ በላ:- “እቲ ኻብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና: እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር: ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ።” እዚ ብየሱስ ኣቢሉ ካብ ኣምላኽ ዝውሕዝ “ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ” ንደቅሰብ ኣብ ፍጹም ህይወት ንምምላስ ብኣምላኽ እተገብረ ምድላው ኢዩ። ንሕናውን ከምታ ሳምራዊት ሰበይቲ ካብዚ ምንጪ እዚ ንምስታይ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ክንብህግ ዝግብኣና! ከምታ ሰበይቲ እቲኣ ድማ ንኻልኦት ብስራት ምእንቲ ክንነግር ዓለማዊ ባህግታትና ክንድርቢ ክሳዕ ክንደይ ድሉዋት ክንከውን ኰን ኢዩ ዝግብኣና!—ዮሃንስ 4:14, 15, 28, 29

እቶም ዝስዕሩ

11. የሆዋ እንታይ መብጽዓ ኢዩ ዝገብር: እተን ቃላትከ ብመጀመርታ ንመን ኢየን ዘመልክታ፧

11 እቶም ካብዚ ዘጥልል “ማይ” ዝሰትዩ ክስዕሩ እውን ኣለዎም: የሆዋ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርስ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖ: ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ።” (ራእይ 21:7) እዚ ምስቲ ኣብቲ ነተን ሸውዓተ ማሕበራት እተላእከለን መልእኽትታት ዘሎ መብጽዓታት ተመሳሳሊ ኢዩ፣ ስለዚ እዘን ቃላት እዚኣተን ብቐዳምነት ኣብቶም ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቲ ዝውዕላ ክዀና ኣለወን። (ራእይ 2:7, 11, 17, 26-28፣ 3:5, 12, 21) ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ዘበናት ዝነበሩ ናይ ክርስቶስ መንፈሳውያን ኣሕዋት: ነቲ ክፍሊ ሓዳስ የሩሳሌም ናይ ምዃን መሰል ብሃረርታ ኢዮም ዝጽበይዎ ነይሮም። ከምቲ የሱስ ዝሰዓረ: እንተድኣ ስዒሮም ተስፍኦም ክረጋገጸሎም ኢዩ።—ዮሃንስ 16:33

12. እቲ ኣብ ራእይ 21:7 ዘሎ ናይ የሆዋ መብጽዓ ኣብቶም ዓቢ ጭፍራ ብኸመይ ክፍጸም ኢዩ፧

12 እቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ዓቢ ጭፍራውን ነዚ መብጽዓ እዚ ይጽበይዎ ኢዮም። ንሳቶምውን ካብቲ ዓቢ ጸበባ ክሳዕ ዝወጹ: ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ብምግልጋል ክስዕሩ ይግብኦም። ብድሕርዚ ኣብቲ ምድራዊ ርስቲ ናይቲ ‘ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወሎም መንግስቲ’ ክኣትዉ ኢዮም። (ማቴዎስ 25:34) እዚኣቶምን እቶም ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሽሕ ዓመት ነቲ ፈተና ዝሓልፍዎ ካልኦት ናይ ጐይታ ምድራውያን ኣባጊዕን ‘ቅዱሳት’ ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ። (ራእይ 20:9) ከም ኣባላት ናይ ኣድማሳዊ ማሕበሩ ምስ ፈጣሪኦም የሆዋ ኣምላኽ ቅዱስ ከምኡውን ናይ ኣቦን ውሉድን ዝምድና ከስተማቕሩ ኢዮም።—ኢሳይያስ 66:22፣ ዮሃንስ 20:31፣ ሮሜ 8:21

13, 14. እቲ ዓበይቲ መብጽዓታት ናይ ኣምላኽ ንምውራስ እንታይ ተግባራት ኢና ፈጺምና ከነወግድ ዘሎና: ስለምንታይከ፧

13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቅድሚኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ተስፋ ካብ ሃለዎም: ሕጂ ካብ ኵሉ እቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ከርክስ ዝኽእል ነገራት ንጹሃት ክዀኑስ: ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ ኢዩ! ድያብሎስ ኣብ ማሕበር ናይቶም የሆዋ ባዕሉ ኣብዚ ገሊጽዎም ዘሎ ሰባት ጐቲቱ ምእንቲ ከየእትወና ሓያላትን ቈራጻትን ጽኑዓትን ክንከውን ይግብኣና:- “እቶም ፈራሃትን ዘይአምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና: ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ: እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።” (ራእይ 21:8) እወ: ወራሲ ዝኸውን ሰብ ካብ ኵሉ እቲ ነዚ ኣገባብ እዚ ኣርሲሕዎ ዘሎ ተግባራት ክርሕቕ ይግብኦ ኢዩ። ኵሉ ዓይነት ጸቕጥታትን ፈተናታትን ከጋጥሞ ከሎ እሙን ኰይኑ ብምጽናዕ ክስዕር ይግብኦ።—ሮሜ 8:35-39

14 ህዝበ-ክርስትያን መርዓት ክርስቶስ ኢየ እኳ እንተበለት: እዚ ዮሃንስ ኣብዚ ገሊጽዎ ዘሎ ጽዩፍ ተግባራት መለለይኣ ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ ምስቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይ ዓባይ ባቢሎን ንዘለኣለም ክትጠፍእ ኢያ። (ራእይ 18:8, 21) ብተመሳሳሊ: ካብቶም ቅቡኣት ወይ ዓቢ ጭፍራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ተግባራት ዝሓብሩ እንተድኣ ዀይኖም ወይውን ንኻልኦት ከምኡ ክገብሩ ከተባብዑ እንተድኣ ጀሚሮም ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኢዩ ዘጋጥሞም። ኣብዚ ተግባራት እዚ እንተድኣ ቐጺሎም ነዚ መብጽዓታት እዚ ኣይክወርስዎን ኢዮም። ኣብታ ሓዳስ ምድሪውን ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ከተኣታትዉ ዝፍትኑ ዘበሉ ብቕጽበት ክጠፍኡ: ናብቲ ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ካልኣይ ሞት ድማ ክኸዱ ኢዮም።—ኢሳይያስ 65:20

15. እቶም ሓለፍ ዝበሉ ሰዓርቲ መን ኢዮም: መጽሓፍ ራእይኸ በየናይ ትርኢት ኢዩ ናብቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ዝበጽሐ፧

15 እቶም ሓለፍ ዝበሉ ሰዓርቲ: እቲ ገንሸል የሱስ ክርስቶስን እታ ብ144,000 ዝቘመት መርዓቱ ሓዳስ የሩሳሌምን ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ራእይ በታ ንመወዳእታ ክትወርድ እትርአ ሓዳስ የሩሳሌም ናብቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ክበጽሕ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ግቡእ ኰን ኢዩ! ሕጂ ዮሃንስ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ትርኢት ይገልጽ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 302 ዘሎ ስእልታት]

ኣብቲ ናይ ሓዳስ ምድሪ ሕብረተሰብ ኵሎም ሰባት ዘሐጕስ ስራሕን ምሕዝነትን ክረኽቡ ኢዮም