ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ ተወሊዳ!

መንግስቲ ኣምላኽ ተወሊዳ!

ምዕራፍ 27

መንግስቲ ኣምላኽ ተወሊዳ!

ትርኢት 7​—ራእይ 12:1–17

ቀንዲ መልእኽቲ:- እታ ሰማያዊት ሰበይቲ ትወልድ: ሚካኤል ምስ ሰይጣን ይዋጋእ ናብ ምድሪ ኸኣ ይድርብዮ

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ካብቲ የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ኣብ ዝፋን እተቐመጠሉ ክሳዕ እቲ ዓቢ ጸበባ

1. እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 12 ክሳዕ 14 ተገሊጹ ዘሎ ምልክታት ምርድኡ ክጠቕመና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

 እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ ተቐሊዑ ኢዩ። (ራእይ 10:7) እታ በቲ መሲሕ እትግዛእ መንግስቲ የሆዋ ሕጂ ብሓቂ ክውንነት ዘለዋ ኢያ። ትገዝእ ኣላ! ህላዌኣ ንሰይጣንን ንዘርኡን ጥፍኣት: ንዘርኢ እታ ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ ከኣ ግርማዊ ዓወት ዘምጽእ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ሻውዓይ መልኣኽ ብዛዕባ እቲ ሳልሳይ ወዮ ዝነግረና ብዙሕ ስለ ዘለዎ: መለኸት ምንፋሕ ኣይወድአን። (ራእይ 11:14) እቲ ካብ ምዕራፍ 12 ክሳዕ 14 ናይ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ምልክታት: ንዅሉ ኣብቲ ወዮ እትን ምስጢር ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕን እቱው ዝዀነ ነገራት ዘሎና ምርዳእ ንኸነስፍሕ ይሕግዝና።

2. (ሀ) ዮሃንስ እንታይ ዓቢ ምልክት ኢዩ ዝርኢ፧ (ለ) ትርጕም ናይቲ ዓቢ ምልክት እተገልጸ መዓስ ኢዩ፧

2 ሕጂ ዮሃንስ ንህዝቢ ኣምላኽ ሓለፍ ዝበለ ኣገዳስነት ዘለዎ ዓቢ ምልክት ይርኢ። እዚ ኸኣ ናብ ሓደ ባህ ዘብል ትንቢታዊ ትርኢት ይመርሕ: ትርጕም ናይዚ ትርኢት እዚ መጀመርታ ኣብ “ምውላድ ናይቲ ህዝቢ” ዝብል ዓንቀጽ ናይ 1 መጋቢት 1925 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ): ድሓር ከኣ እንደገና ብ1926 ኣብታ ደሊቨራንስ (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ተሓቲሙ ወጸ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምርዳእ ድሙቕ ነጸብራቕ እዚ ኣብ ምዕባለ ዕዮ የሆዋ ታሪኻዊ ምልክት ኰነ። እቲ ኵነታት ክቕላዕ ከሎ ዮሃንስ ከዘንትወልና ንግደፎ:- “ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፤ ሰበይቲ: ጸሓይ ተወንዚፋ: ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ: ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። ጥንስቲ ኸኣ እያ: ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ: ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት።”ራእይ 12:1, 2

3. መንነት ናይታ ኣብ ሰማይ እተራእየት ሰበይቲ እንታይ ኢዩ፧

3 ዮሃንስ ንመጀመርታ ግዜ ኢዩ ሰበይቲ ኣብ ሰማይ ዝርኢ ዘሎ። ሓቂ ኢዩ ቃል ብቓሉ ሰበይቲ ኣይኰነትን። ኣብ ክንድኡ: ምልክት ወይ ምሳልያዊት ኢያ። (ራእይ 1:1) ናይ እንታይ ምልክት ኢያ፧ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢታት: ኣንስቲ ሓድሓደ ግዜ ንሓለፍ ዝበሉ ኣካላት “እተመርዓዋ” ማሕበራት የመልክታ ኢየን። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እስራኤል ከም ሰበይቲ የሆዋ ኣምላኽ ተዘሪቡላ ኣሎ። (ኤርምያስ 3:14 NW) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ከኣ እታ ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ሰበይቲ ክርስቶስ ተዘሪቡላ ኣሎ። (ራእይ 21:9-14) እታ ዮሃንስ ኣብዚ ዝርኣያ ሰበይቲ እውን ተመርዕያ ኢያ: ንኽትወልድውን ቀሪባ ኣላ። ሰብኣያ መን ኢዩ፧ ጸኒሑ እቲ ውሉዳ “ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ።” (ራእይ 12:5) በዚ ኸምዚ የሆዋ እቲ ውላድ ናቱ ምዃኑ ይነግር። ስለዚ እታ ዮሃንስ ዝርኣያ ሰበይቲ: ምሳልያዊት ሰበይቲ የሆዋ ክትከውን ኣለዋ።

4. ደቂ እታ ምሳልያዊት ሰበይቲ ኣምላኽ መን ኢዮም: ሃዋርያ ጳውሎስከ ነታ ብዮሃንስ እተራእየት ሰበይቲ እንታይ ኢሉ ጸውዓ፧

4 ሸሞንተ ክፍለ-ዘበናት ኣቐዲሙ የሆዋ “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም” ብምባል ነዛ ምሳልያዊት ሰበይቲ ተዛረባ። (ኢሳይያስ 54:5, 13) የሱስ ነዚ ትንቢት እዚ ጠቒሱ: እዞም ደቂ እዚኣቶም ድማ እቶም ዳሕራይ ንጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ዘቝሙ እሙናት ሰዓብቱ ምዃኖም ኣርኣየ። (ዮሃንስ 6:44, 45) ስለዚ እዞም ደቂ ኣምላኽ ዝብሃሉ ኣባላት ናይዛ ጉባኤ እዚኣ: ደቂ እታ ምሳልያዊት ሰበይቲ ኣምላኽ እውን ኢዩም። (ሮሜ 8:14) ሃዋርያ ጳውሎስ “እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና ጭዋ እያ እሞ: ንሳ ኣዴና እያ” ክብል ከሎ ናይ መጨረሽታ ሓበሬታ ይውስኸልና። (ገላትያ 4:26) እታ ዮሃንስ ዝረኣያ “ሰበይቲ” እምበኣር “እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” ኢያ።

5. እታ ምሳልያዊት ሰበይቲ የሆዋ ኣኽሊል 12 ኸዋኽብቲ ስለ ዘለዋ: እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ብሓቂ መን ኢያ፧

5 እንተዀነ ግን: እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ተባሂላ ዘላ ብልክዕ መን ኢያ፧ ጳውሎስ “ናይ ላዕሊ” ካብ ዝብላ: ዮሃንስ ድማ ኣብ ሰማይ ካብ ዝርእያ ሓንቲ ምድራዊት ከተማ ከም ዘይኰነት ርዱእ ኢዩ፣ ምስ “ሓዳስ የሩሳሌም” እውን ሓደ ኣይኰነትን ምኽንያቱ እታ ማሕበር እቲኣ መርዓት ክርስቶስ እምበር ሰበይቲ የሆዋ ኣይኰነትን። (ራእይ 21:2) ኣኽሊል 12 ከዋኽብቲ ከም ዘለዋ ኣስተብህል። ቍጽሪ 12 ምልኣት ናይ ምምሕዳራዊ ኣቃውማ የመልክት። a ስለዚ እዚ 12 ከዋኽብቲ እዚ ከምቲ ጥንታዊት የሩሳሌም ኣብ ምድሪ ዝነበረት: እዛ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምምሕዳራዊ ስርዓት እተመልክት ኢዩ ዝመስል። እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ንየሆዋ ብምግልጋልን ዘርኢ ብምፍራይን ከም ሰበይቱ ዝዀነት: ብመንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመት ናይ ኣምላኽ ኣድማሳዊት ማሕበር ኢያ።

6. (ሀ) እታ ዮሃንስ ዝረኣያ ሰበይቲ ጸሓይ እተወንዘፈት: ወርሒ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ ዘለዋ: ከምኡ ድማ ኣኽሊል ኸዋኽብቲ ዘሎዋ ምዃና እንታይ የመልክት፧ (ለ) እቲ ናይታ ጥንስቲ ሰበይቲ ቅልውላው እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

6 ዮሃንስ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ጸሓይ ተወንዚፋ: ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ ገይራ ይርእያ። እቲ ኣኽሊል ከዋኽብታ እንተድኣ ሓዊስናዮ ምሉእ ብምሉእ ብሰማያውያን ብርሃናት ተኸቢባ ኢያ ዘላ። ስምረት ኣምላኽ መዓልትን ለይትን ኣብ ልዕሊኣ የንጸባርቕ። ኣየ ከመይ ዝበለ ብቑዕ ምልክት ናይታ ዓባይ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ኰን ኢዩ! ጥንስቲ ኢያ: ንኽትወልድ እውን ትጽዕር ኣላ። መለኮታዊ ሓገዝ ምልማና ንኽትወልድ ግዜኣ ከም ዝበጽሐ የርኢ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምውላድ ጻዕሪ ሓደ ኣድላዪ ውጽኢት ንምርካብ ዘሎ ኣድካሚ ስራሕ የመልክት። (ምስ መዝሙር 90:2 NW፣ ምሳሌ 25:23 NW፣ ኢሳይያስ 66:7, 8 ኣረኣእዮ።) ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ ነዚ ታሪኻዊ ምውላድ እዚ ክትዳሎ ኸላ ከምዚ ዝመስል ናይ ምውላድ ጻዕሪ ከም ዘሕለፈት ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ዓቢ ቐዪሕ ገበል

7. ዮሃንስ ኣብ ሰማይ ዝርእዮ ካልእ ምልክት እንታይ ኢዩ፧

7 ብድሕርዚ ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝርኢ፧ “ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየ፤ እንሆ: ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን: ኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል: እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ: ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ: ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ: ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።”—ራእይ 12:3, 4

8. (ሀ) መንነት ናይቲ ዓቢ ቐይሕ ገበል እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ገበል ሸውዓተ ርእሲ: ዓሰርተ ቐርኒ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ርእሲውን ዘውዲ ምህላዉ እንታይ የመልክት፧

8 እዚ ገበል እዚ ሰይጣን: እቲ “ናይ ጥንቲ ተመን:” ኢዩ። (ራእይ 12:9፣ ዘፍጥረት 3:15) ንሱ ንግዳዩ ምሉእ ብምሉእ ክውሕጥ ዝኽእል ጨካን መጥፍኢ ዝዀነ ሸውዓተ ርእሲ ዘለዎ ገበል ኢዩ። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘስደምም ትርኢት ኰን ኢዩ ዘለዎ! እቲ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን: ናይቲ ድሕሪ ቝሩብ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ምዕራፍ 13 ዝግለጽ ፖለቲካዊ ኣራዊት ነዳፊ ንሱ ምዃኑ የመልክት። እዚ ኣራዊት እዚ እውን ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣለዎ። ሰይጣን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ሓንቲ: ብድምሩ ሸውዓተ ዘውዲ ስለ ዘለዎ: እቶም በቲ ኣራዊት ተመሲሎም ዘለዉ ሓይሊ ዓለማት ኣብ ትሕቲ ናቱ ግዝኣት ከም ዝዀኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 16:11) እቲ ዓሰርተ ቐርኒ ምልኣት ናይቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘዘውተሮ ስልጣን ከመልክት ዝበቅዕ ኢዩ።

9. ጭራ እቲ ገበል “ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ” ናብ ምድሪ ምስሓቡ እንታይ የመልክት፧

9 እቲ ገበል ኣብቲ መንፈሳዊ ግዝኣትውን ስልጣን ኣለዎ። ብጭርኡ “ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ።” ከዋኽብቲ ንመላእኽቲ ከመልክቱ ይኽእሉ ኢዮም። (እዮብ 38:7) እቲ “ሲሶ” ምባሉ ሓያሎ መላእኽቲ ብሰይጣን ከም ዝሰሓቱ የጕልሕ። እዚኣቶም ሓንሳእ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ምስ ኣተዉ: መምለጢ ኣይነበሮምን። ናብታ ቅድስቲ ማሕበር ኣምላኽ ክምለሱ ኣይከኣሉን። ኣጋንንቲ ዀኑ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብሰይጣን እቲ ንጉሶም ወይ ከኣ ገዛኢኦም ተጐቱ። (ማቴዎስ 12:24) ሰይጣን ናብ ምድሪ እውን ደርበዮም። እዚ ኸኣ ብግዜ ኖህ ቀቅድሚ ማይ ኣይሂ: ሰይጣን ነቶም ዘይእዙዛት ደቂ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ከም ዝኸዱ እሞ ምስተን ኣዋልድ ሰብ ከም ዝነብሩ ምስ ገበሮም ዝነበረ እዋን እተፈጸመ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣምላኽ ነዞም “ሓጢአት ዝገበሩ መላእኽቲ” ኣብቲ ጦርጦስ ዝብሃል ቤት ማእሰርቲ ዝምሰል ኵነታት ብምድርባይ ቀጽዖም።—ዘፍጥረት 6:4፣ 2 ጴጥሮስ 2:4 NWይሁዳ 6

10. እንታይ ኣብ ንሓድሕደን ዝጻረራ ማሕበራት ኢየን እተራእያ: እቲ ገበል እታ ሰበይቲ ምስ ወለደት ነቲ ውሉዳ ክውሕጦ ዝደለየኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 በዚ ኸምዚ ክልተ ንሓድሕደን ዝጻረራ ማሕበራት ብግልጺ ተራእያ—እታ ብሰበይቲ ተመሲላ ዘላ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋን እታ ንሉዓላውነት ኣምላኽ እትቃወም ጋኔናዊት ማሕበርን እየን። እቲ ንሉዓላውነት ዝምልከት ዓቢ ክርክር ክድቅስ ኣለዎ። ብኸመይ ግን፧ ሰይጣን ከም ርጉም ዝባላዕ ኣራዊት ንኣጋንንቲ ምስኡ እናጐተተ: ግዳይ ዝዀኖ ኣብ ምቍማት ኢዩ ዘሎ። እታ ሰበይቲ ክትወልድ ይጽበያ ኣሎ። ነዚ ዝውለድ ሕጻን እዚ ክውሕጦ ኢዩ ዝደሊ: ምኽንያቱ ንህላወኡን ንህላወ ናይቲ ግዝኣቱ ዘዘውትረሉ ዓለምን ከም ዘስግኦ ይፈልጥ ኢዩ።—ዮሃንስ 14:30

ሓደ ተባዕታይ ወዲ

11. ዮሃንስ ንምውላድ ናይቲ ወዲ እታ ሰበይቲ ብኸመይ ይገልጾ: እቲ ውሉድ “ወዲ: ተባዕታይ:” እተባህለኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 እቲ ኣምላኽ ከየቋረጾም ኣህዛብ ክገዝኡሉ እተመደበ ግዜ ብ1914 ተወድአ። (ሉቃስ 21:24) ሽዑ እታ ሰበይቲ ኣብ ግዜኣ ወዳ ትወልድ:- “ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ: ተባዕታይ: ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ። እታ ሰበይቲ ድማ: ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ: ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሀደመት።” (ራእይ 12:5, 6) እቲ ውላዳ “ወዲ: ተባዕታይ:” ኢዩ። ዮሃንስ ነዚ ድርብ መግለጺ እተጠቕመ ስለምንታይ ኢዩ፧ ከምዚ ዝገበረ ናይቲ ውላድ ብቕዓት ንምግላጽን: ንኣህዛብ ብዘዕግብ ስልጣን ክገዝእ ክእለት ከም ዘለዎ ከርእን ኢሉ ኢዩ። እዚ ምውላድ እዚ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ: ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኣጋጣሚ ምዃኑ እውን የጕልሕ! ነቲ ቅዱስ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ መፈጸምትኡ ንኸብጽሕ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። እወ: እዚ ተባዕታይ ውላድ “ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም” ኢዩ!

12. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ መዝሙር የሆዋ ብዛዕባ የሱስ ብትንቢት እተመባጽዖ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እታ ሰበይቲ “ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ” ወዲ ብምውላዳ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

12 እዚ ኣበሃህላ እዝስ ትፈልጦ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ እወ: የሆዋ ብዛዕባ የሱስ ብትንቢት “ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም: ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ” ኢሉ ተመባጺዑ ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 2:9) ንዕኡ ብዝምልከት “እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ: ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ” ዝብል ትንቢት እውን ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 110:2) ስለዚ እምበኣር: እቲ ብዮሃንስ እተራእየ ምውላድ ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ኢዩ። እዝስ ነቲ የሱስ ቅድሚ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከም ኣቈጻጽራ ዘበንና ካብ ሓንቲ ድንግል ምውላዱ ይኹን: ብ33 ከ.ኣ.ዘ. እንደገና ናብ ሰማያዊ ህይወት ምትንስኡ ዘመልክት ኣይኰነን። እንደገና ብስጋ ምውላድ እውን ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ: እቲ ዳርጋ ን20 ክፍለ-ዘበናት ኣብ ሰማይ ዘሎ የሱስ ንጉሳ ዝዀነ መንግስቲ ኣምላኽ: ብ1914 ከም እተወልደት ኢዩ ዘመልክት።—ራእይ 12:10

13. እቲ ወዲ: ተባዕታይ: ‘ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ምምንጣሉ’ እንታይ የመልክት፧

13 የሆዋ ንሰበይቱ ወይ ነቲ ሽዑ እተወልደ ወዱ: ሰይጣን ክውሕጦም ፈጺሙ ኣየፍቅድን ኢዩ! እቲ ወዲ: ተባዕታይ: ምስ ተወልደ “ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ።” በዚ ኸምዚ ኣብ ትሕቲ ዕቝባ ናይቲ ነዛ ሓዳስ እተወልደት መንግስቲ ምሉእ ብምሉእ ዝሓልየላ የሆዋ ይኸውን: ነቲ ቅዱስ ስሙ ንምቕዳስ ዝጥቀመላ መሳርሒ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኢያ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ትሃድም። ብዛዕባ እዚ ጸኒሕና ዝያዳ ዝርዝር ክንርኢ ኢና! ሕጂ ግን እቲ መድርኽ ንሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ ኢዩ ተዳልዩ ዘሎ: እዚ ኸኣ ድሕሪ ደጊም ሰይጣን ነታ ኣብ ሰማይ ዘላ መንግስቲ ፈጺሙ ከስግእ ከም ዘይክእል ይገብሮ። እቲ ፍጻመ እቲኸ እንታይ ኢዩ፧

ኣብ ሰማይ ውግእ ኰነ!

14. (ሀ) ዮሃንስ ከም ዝበሎ: ሰይጣን ድሕሪ ደጊም ነታ መንግስቲ ፈጺሙ ከስግኣ ከም ዘይክእል ዝገብሮ ፍጸመ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ እንታይ ከባቢ ኢዮም ተሓጺሮም ዘለዉ፧

14 ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፤ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከአ: ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ: ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።” (ራእይ 12:7-9) ስለዚ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ መሳጢ ምዕባለ ይርአ: እዚ ኸኣ ሰይጣን ካብ ሰማይ ይስጐግን: ይስንዶን፣ ኣጋንንቱ ኸኣ ምስኡ ናብ ምድሪ ይድርበዩ። ስለዚ እቲ ኣምላኻ ክሳዕ ምዃን ንብዘላ ዓለም ዘስሓተ: ኣብ መጨረሽትኡ ኣብ ከባቢ ናይዛ መጀመርታ ዕልወቱ ዝጀመረላ ፕላኔት እዚኣ ጥራይ ተሓጽረ።—2 ቈረንቶስ 4:3, 4

15, 16. (ሀ) ሚካኤል መን ኢዩ: ከመይ ጌርናኸ ንፈልጥ፧ (ለ) ሚካኤል እቲ ንሰይጣን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝድርብዮ ክኸውን ዝሰማማዕ ስለምንታይ ኢዩ፧

15 እቲ ነዚ ዓቢ ዓወት ብስም የሆዋ ዝፍጽሞ መን ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሚካኤልን መላእኽቱን ይብለና። ሚካኤል ግን መን ኢዩ፧ እታ “ሚካኤል” እትብል ስም “መን ከም ኣምላኽ፧” ማለት ኢያ። ስለዚ ሚካኤል ንየሆዋ ዝወዳደር ከም ዘየለ መርትዖ ብምቕራብ: ሉዓላውነት የሆዋ ከረጋግጽ ዝግደስ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ይሁዳ ቍጽሪ 9 “ሚካኤል: እቲ ሊቀ መላእኽቲ” ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ዘገርም ድማ: እታ “ሊቀ መላእኽቲ” እትብል መዓርግ ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ሰብ ከተመልክት ጥራይ ኢያ ተጠቒሳ ዘላ: ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። b ጳውሎስ ብዛዕብኡ “ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ” ይብል። (1 ተሰሎንቄ 4:16 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እታ “ሊቀ መላእኽቲ” እትብል መዓርግ “ሓለቓ መላእኽቲ” ማለት ኢያ። ስለዚ መጽሓፍ ራእይ “ሚካኤልን መላእኽቱን” ምባሉ ኣየገርምን ኢዩ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብ ካልእ ቦታታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ትሕቲ ሓደ ጻድቕ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝመሓደሩ መላእኽቲ ክዛረብ ከሎ ንየሱስ ኢዩ ዘመልክት። ስለዚ ጳውሎስ ብዛዕባ “ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ” ይዛረብ።—2 ተሰሎንቄ 1:7 (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)፣ ከምኡውን ማቴዎስ 24:30, 31፣ 25:31 ርአ።

16 እዝን ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጥቕስታትን ሚካኤል: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ቦትኡ ከሎ እንተዘይኰይኑ ዋላ ሓደ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ዘየማትእ መደምደምታ ናብ ምግባር ይመርሓና። ሕጂ ኣብ መዓልቲ ጐይታ: የሱስ ንሰይጣን “እግዚኣብሄር ይግናሕካ” ጥራይ ኣይኰነን ዝብሎ። እዚ ናይ ፍርዲ እዋን ስለ ዝዀነ: የሱስ ከም ሚካኤል ኰይኑ ነቲ እኩይ ሰይጣንን ነቶም ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ይድርብዮም። (ይሁዳ 9፣ ራእይ 1:10) ሓድሽ ዝነገሰ ንጉስ ብምዃኑ: ነዚ ዝገብር ንሱ ክኸውን ኣዝዩ ዝሰማማዕ ኢዩ። የሱስ ንርእሲ እቲ ተመን ብምጭፍላቕ ንዅሉ ግዜ ከም ዘይህሉ ዝገብሮ ኣብ ኤደን ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15) የሱስ ንሰይጣን ካብ ሰማይ ብምስጓግ: ኣንፈቱ ናብቲ ናይ መወዳእታ ምጭፍላቕ ገጹ ገበረ።

‘ኣቱም ሰማያት: ተሓጐሱ’

17, 18. (ሀ) ብዛዕባ ናይ ሰይጣን ካብ ሰማይ ምውዳቕ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ዝሃብዎ መልሲ: ዮሃንስ እንታይ ጸብጻብ ኣቕረበ፧ (ለ) ምንጪ ናይቲ ዮሃንስ ዝሰምዖ ዓው ዝበለ ድምጺ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧

17 ዮሃንስ እቲ ዘገርም ምውዳቕ ናይ ሰይጣን: ኣብ ሰማይ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ መልሲ ከም ዝረኸበ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፤ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ: ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ: ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ: ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። ስለዚ: ኣቱም ሰማያት: ኣባታቶም እትነብሩውን ተሐጐሱ።”—ራእይ 12:10-12ሀ

18 እቲ ዮሃንስ ዝሰምዖ ዓው ዝበለ ድምጺ ናይ መን ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይዛረበሉን ኢዩ። ከምኡ ዝመስል ድምጺ ግን: ኣብ ራእይ 11:17 ካብቶም ናብ ሰማያዊ ቦትኦም ዝተንስኡ እሞ ነቶም 144,000 ቅዱሳት ዝውክሉ 24 ሽማግለታት ተሰሚዑ ነይሩ ኢዩ። (ራእይ 11:18) እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ መስጐግቲ ዝበጽሖም ቅቡኣት ኣገልግልቲ ኣምላኽ “ኣሕዋትና” ተባሂሎም ስለ እተጸውዑ ኸኣ: እዚ ድምጺ እዚ ምንጩ ሓደ ክኸውን ኣለዎ። እዞም እሙናት ኣገልገልቲ እዚኣቶም ድምጾም ክጽንብሩ ይኽእሉ ኢዮም ምኽንያቱ ሰይጣንን ጭፍራ ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ደድሕሪ ምድርባዮም ኢዮም ተንሲኦም።

19. (ሀ) ምውዳእ ናይቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ ንየሱስ እንታይ ክገብር ኢዩ መገዲ ዝኸፍተሉ፧ (ለ) ሰይጣን “ከሳስ ኣሕዋትና” ተባሂሉ ምጽውዑ እንታይ የመልክት፧

19 ምውዳእ ናይቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ: የሱስ ኣብ መንግስቲ የሆዋ ስልጣን ከም ዝሕዝ ይገብሮ። በዚ ኸምዚ ኣምላኽ እሙናት ደቅሰብ ንምድሓን ዘሎዎ ዓቢ ዕላማ ክፍጽም መገዲ ተኸፍተ። የሱስ ነቶም ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ንኣምላኽ ዝፈርሁ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም ኣብ መዘከርታ ኣምላኽ ዘለዉ ማእለያ ዘይብሎም ሚልዮናት ምዉታት እውን ድሕነት ከምጽእ ኢዩ። (ሉቃስ 21:27, 28) ሰይጣን እቲ ኣንጻር እዮብ ዘቕረቦ ኽሲ ሓሶት ምዃኑ እኳ እንተ ተረጋገጸ: “ኸሳስ ኣሕዋትና” ተባሂሉ ብምጽውዑ ንንጽህና ናይ ምድራውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ክርክር ምእታው ከም ዝቐጸለ የርኢ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እቲ ሰብ ምእንቲ ህይወቱ ዘሎዎ ዅሉ ይህብ ኢዩ ዝብል ክሱ ከም ዝደጋገሞ ርዱእ ኢዩ። ሰይጣን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ብዘሕዝን መገዲ ፈሺሉ!—እዮብ 1:9-11፣ 2:4, 5

20. እሙናት ክርስትያናት ንሰይጣን ዝሰዓርዎ ብኸመይ ኢዮም፧

20 እቶም ‘ሳላ ደም እቲ ገንሸል’ ጻድቃን ዝቝጸሩ ቅቡኣት ክርስትያናት: መስጐግቲ እኳ እንተወረዶም ንኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ምምስካሮም ይቕጽሉ ኣለዉ። እዚ ክፍሊ ዮሃንስ እዚ ካብ 120 ዓመት ንላዕሊ: ናብቲ ምስ ምውዳእ ዘበናት ኣህዛብ ብ1914 እተተሓሓዘ ዓበይቲ ክርክራት ከመልክት ጸኒሑ ኢዩ: ገናውን የመልክት ኣሎ። (ሉቃስ 21:24) እቶም ዓቢ ጭፍራ እውን ሎሚ ብተኣማንነት ኣብ ጐድኖም ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ኣብዚ ግዜና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ተመክሮ ህይወት ደጋጊሙ ከም ዝገልጾ: ሓደ እኳ ኻብዚኣቶም ‘ነቶም ስጋ ዝቐትሉ ንነፍሲ ግን ምቕታላ ዘይከኣሎም ኣይፈርሁን ኢዮም።’ ብኣዘራርብኦምን ብክርስትያናዊ ጠባዮምን ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ብቐጻሊ ብምርግጋጽ ስዒሮሞ ኢዮም። (ማቴዎስ 10:28፣ ምሳሌ 27:11፣ ራእይ 7:9) ድሕሪ ደጊም ሰይጣን ንኣሕዋቶም ክኸስስ ኣብ ሰማይ ስለ ዘይህሉ ቅቡኣት ክርስትያናት ናብ ሰማይ ምስ ተንስኡ: ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ዝሕጐሱ! ኵሎም ጭፍራ መላእኽቲ ነቲ “ኣቱም ሰማያት: ኣባታቶም እትነብሩውን ተሐጐሱ” ዝብል ጻውዒት ብሓጐስ ክምልስሉ ብሓቂ ግዜኡ ኢዩ!

ናይ ውድድር ወዮ!

21. ሰይጣን ንምድርን ባሕርን ወዮ ዘምጽአ ብኸመይ ኢዩ፧

21 ሰይጣን በቲ ሳልሳይ ወዮ ተቘጢዑ ሰባት ንምህሳይ ናቱ ወዮ ኣብ ምውራድ ኢዩ ዘሎ። “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።” (ራእይ 12:12ለ) ብሓቂ ሰይጣን ካብ ሰማይ ምብራሩ: ነዛ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ብዘለዉ ስሱዓት ሰባት ትበላሾ ዘላ ምድሪ: ቃል ብቓሉ ወዮ ኢዩ። (ዘዳግም 32:5) ብዝያዳ ከምኡ ዘግብሮ: እቲ ‘ግዛእ ወይ ኣዕኑ’ ዝብል ናይ ሰይጣን መምርሒ ኣብቲ መዋቕር ናይ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዘመልክት ምሳልያዊ ምድሪ ከምኡውን ኣብቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ሓፋሽ ወድሰብ ዘመልክት ምሳልያዊ ባሕሪ ወዮ የምጽእ። ኣብቲ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ዓለም ውግኣት ቍጥዓ ሰይጣን: ኣብቲ ምቝጣዕ ናይቶም ንዕኡ ዝግዝኡ ህዝብታት ተንጸባረቐ: ክንድኡ ንውሓት ዘለዎ እኳ እንተ ዘይኰነ ተመሳሳሊ ጋኔናዊ ነድሪ ክሳዕ ሎሚ ይባራዕ ኣሎ! (ማርቆስ 13:7, 8) እቲ ናይ ድያብሎስ ብልሓት እኩይ ይኹን ብዘየገድስ ነቲ ሳልሳይ ወዮ—ብመንግስቲ ኣምላኽ ዝውሰድ ስጕምቲ—ማለት ኣብ ልዕሊ ዝርአ ማሕበር ሰይጣን ዘምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤን ግን ኣይዳረጎን ኢዩ!

22, 23. (ሀ) እቲ ገበል ናብ ምድሪ ምስ ተደርበየ እንታይ ከም ዝዀነ ኢዩ ዮሃንስ ዝነግር፧ (ለ) እቲ ገበል “ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ” ክሰጓ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

22 ካብቲ ድንገታዊ ምብራር ናይ ሰይጣን ጀሚሩ: እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣሕዋት ክርስቶስ ነቲ ዝኸበደ ቍጥዕኡ ጸይሮም ኢዮም። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ የቕርብ:- “እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ: ምስ ርአየ: ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ: ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ: ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር: ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ።”—ራእይ 12:13, 14

23 ኣብዚ እቲ ትርኢት ናብቲ እታ ሰበይቲ ምስ ወለደት ካብቲ ገበል ርሒቓ ናብ በረኻ ከም ዝሃደመት ዝነግረና: ኣብ ቍጽሪ 6 ዘሎ ሓሳብ ኢዩ ዝቕጽል። እታ ሰበይቲ ኣብ ሰማይ: እቲ ገበል ድማ ኣብ ምድሪ ስለ እተደርበየ: ከመይ ገይሩ ነታ ሰበይቲ ክሰጓ ይኽእል ኢልና ንግረም ንኸውን። ደቂ እታ ሰበይቲ ማለት ዘርኣ: ኣብ ምድሪ ከም ዘለዉ ዘክር። ጽንሕ ኢሉ እዚ ትርኢት እዚ: ሰይጣን ነቶም ዘርኣ ብምስጓግ ኣብታ ሰበይቲ ዘለዎ ነድሪ ከም ዝገልጽ ይሕብረና። (ራእይ 12:17) እቲ ነቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዘለዉ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ዘጋጥሞም: ነታ ሰበይቲ ከም ዘጋጥማ ክቝጸር ይከኣል ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 25:40 ኣረኣእዮ።) ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ እናበዝሑ ዝኸዱ ብጾት ናይቲ ዘርኢ እውን እዚ መስጐግቲ እዚ ክበጽሖም ኢዩ።

ሓድሽ ህዝቢ

24. እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ምስቲ ናይ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ምውጻእ ዝመሳሰል ተመክሮ ኢዮም ዘሕለፉ፧

24 ቀዳማይ ውግእ ዓለም እናተኻየደ ኸሎ: ኣሕዋት የሱስ ብእተኻእሎም መጠን ምስክርነቶም ብተኣማንነት ቀጸሉ። እዚ ድማ ካብ ሰይጣንን ካብቶም እኩያት ሰዓብቱን ብርቱዕ ምጽራር እናኣጋጠሞም ኢዮም ገይሮሞ። ኣብ መወዳእትኡ ናይቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ህዝባዊ ምስክርነት ዳርጋ ተቛረጸ። (ራእይ 11:7-10) እዚ ከምቲ ናይቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝመስል ተመክሮ ዘሕለፍሉ ግዜ ኢዩ: እቶም እስራኤላውያን ብርቱዕ ጭቆና ተጸሚሞም ኢዮም። ሽዑ ኸኣ ኢዩ የሆዋ: ከም በኽናፍ ንስሪ ብቕልጡፍ ናብ በረኻ ሲና ዘድሓኖም። (ዘጸኣት 19:1-4) ብተመሳሳሊ ድሕርቲ ብ1918-19 ዝዀነ መሪር መስጐግቲ: የሆዋ ከምቲ ንእስራኤላውያን ናብ በረኻ ዘዕቈቦም: ነቶም ንሰበይቱ ዝውክሉ መሰኻኽሩ ናብ ዕቝባ ዘለዎ መንፈሳዊ ኵነታት ኣድሓኖም። እዚ ኸኣ ናይቲ ዘቕረብዎ ጸሎት መልሲ ኢዩ።—ምስ መዝሙር 55:6-9 ኣረኣእዮ።

25. (ሀ) የሆዋ ከምቲ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ከም ህዝቢ ገይሩ ዘቘሞም: ብ1919ከ እንታይ ኣቘመ፧ (ለ) እቶም ነዚ ህዝቢ እዚ ዘቝሙ መን ኢዮም: ኣብ እንታይከ ኢዮም ዝኣተዉ፧

25 የሆዋ ኣብቲ በረኻ ንእራኤላውያን ብመንፈስን ብስጋን ዘድልዮም እናሓለየ ከም ሓደ ህዝቢ ኣቘሞም። ብተመሳሳሊ: ካብ 1919 ኣትሒዙ የሆዋ ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ከም ሓደ መንፈሳዊ ህዝቢ ገይሩ ኣቘሞም። እዚ ግን ምስታ ካብ 1914 ኣትሒዛ ኣብ ሰማይ እትገዝእ ዘላ መሲሓዊት መንግስቲ ክደናገር የብሉን። ኣብ ክንድኡ እዚ ሓድሽ ህዝቢ እዚ: በቶም ብ1919 ኣብ ግርማ ዘለዎ መንፈሳዊ ኵነታት ዝኣተዉ: ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ቅቡኣት መሰኻኽር ዝቘመ ኢዩ። ሕጂ ኸኣ: ‘ቀለቦም በብጊዜኡ ስለ እተዋህቡ:’ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዕዮ ክፍጽሙ ተበራትዑ።—ሉቃስ 12:42፣ ኢሳይያስ 66:8

26. (ሀ) እቲ ኣብ ራእይ 12:6, 14 ተጠቒሱ ዘሎ ግዜ ንውሓቱ ክንደይ ኢዩ፧ (ለ) ዕላማ ናይቲ ሰለስተ ዘመንን ፈረቓን እንታይ ኢዩ ነይሩ: መዓስ ጀመረ: መዓስከ ተወድአ፧

26 እዚ ዕረፍቲ ናይቲ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ንኽንደይ ኢዩ ክጸንሕ፧ ራእይ 12:6 1,260 መዓልቲ ይብል። ነዚ እዋን እዚ ራእይ 12:14 ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ይብሎ፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ድማ ሰለስተ ዘመንን ፈረቓን ኢዩ። ክልቲኡ ኣቈጻጸራ እኳ ደኣ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ኢዩ ዘመልክት፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ዓለም ድማ ካብ ጽድያ 1919 ጀሚሩ ክሳዕ ሓጋይ 1922 ዘሎ ግዜ ዝኸይድ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ነቲ እተመልሰ ክፍሊ ዮሃንስ ናይ ምሕዳስን ናይ ምትዕርራይን ናይ ምምሕዳርን እዋን ኢዩ ነይሩ።

27. (ሀ) ብመሰረት ናይ ዮሃንስ ጸብጻብ: እቲ ገበል ድሕሪ 1922 እንታይ ገበረ፧ (ለ) ኣንጻር እቶም መሰኻኽር ውሕጅ ዝዀነ መስጐግቲ ክፍኑ ኸሎ ሰይጣን ዕላምኡ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

27 እቲ ገበል ግን ኣይተሓለለን! “እቲ ተመን ድማ: ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ: ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤ።” (ራእይ 12:15) “ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ” ወይ “ውሕጅ ማይ” (ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል) እንታይ ማለት ኢዩ፧ እቲ ጥንታዊ ንጉስ ዳዊት ነቶም ዝጻረርዎ ዝነበሩ እኩያት ሰባት “ወሓይዝ ብልያል” [“ወሓይዝ ናይ ዋጋ ዘይብሎም ሰባት:” ያንግ] ኢሉ ጸውዖም። (መዝሙር 18:4, 5, 16, 17) ብተመሳሳሊ እቲ ሕጂ ሰይጣን ዝፍንዎ መስጐግቲ በቶም ዋጋ ዘይብሎም ወይ ናይ “ብልያል” ሰባት ገይሩ ኢዩ። ድሕሪ 1922 ሰይጣን ኣንጻር መሰኻኽር እዚ ዘይብሃል መስጐግቲ ኣውሓዘ። (ማቴዎስ 24:9-13) እዚ ኸኣ ኣካላዊ ዓመጽ: ‘ከም ሕጊ ኢና እናበልካ ዓመጽ ምግባር:’ ምእሳር: ብማሕነቕትን ብምርሻንን ብምቝራጽ ርእስን ምፍራድ እውን ከይተረፈ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። (መዝሙር 94:20) እቲ እተዋረደ ሰይጣን ነታ ሰማያዊት ሰበይቲ የሆዋ ክረኽባ ስለ ዘይከኣለ: ንጽህንኦም ብምብልሻው ስምረት ኣምላኽ ከም ዘጥፍኡ ብምግባር ይኹን ብቐጥታ: ነቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ዘርኣ ከጥቅዕን: ከጥፍእን ብቝጥዓ ተላዕለ። እቲ ውሳነኦም ግን ከምቲ እዮብ “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” ዝበሎ ከም ዝዀነ ኣርኣዩ።—እዮብ 27:5

28. እቲ ናይ መስጐግቲ ውሒዝ ብግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ዝበጽሐ ብኸመይ ኢዩ፧

28 እዚ እኩይ ውሕጅ ናይ መስጐግቲ እዚ: ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ በጽሐ። ኣብ ኣውሮጳ 12,000 ዝዀኑ መሰኻኸር ኣብ ናይ ናዚ መዳጐኒ ደምበታትን ኣብያተ-ማእሰርትን ተኣስሩ: ኣስታት 2,000 ዝዀኑ ኸኣ ሞቱ። እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናይቶም ወተሃደራውያን ገዛእቲ ኢጣልያ: ጃፓን: ኮርያ: ከምኡውን ታይዋን ዝነበሩ እሙናት መሰኻኽር ነዚ ብዝመስል ጨካን ኣተሓሕዛ ተሳቕዮም ኢዮም። ኣብቲ ደሞክራሲ ኣለዎ ዝብሃል ሃገራትውን ከይተረፈ እቶም ናይ ካቶሊክ ኣክሽን ጕጅለ ንመሰኻኽር ቅጥራን ክዕዮም ክንቲት ነስነሱሎም ካብ ከተማ ኸኣ ሰጐጕዎም። ክርስትያናዊ ኣሰምብሊታት ተቛሪጹ: ቈልዑ ኸኣ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጒጎም ኢዮም።

29. (ሀ) ዮሃንስ ነቲ ካብ ዘይተሓስበ ምንጪ ዝመጽእ ረድኤት ብኸመይ ይገልጾ፧ (ለ) “ምድሪ ነታ ሰበይቲ” ዝረድኣታ ብኸመይ ኢያ፧ (ሐ) እቲ ገበል እንታይ ምግባር ኢዩ ዝቐጸለ፧

29 ረድኤት ካብ ዘይተሓስበ ምንጪ መጸ:- “ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ: እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ: ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ። እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ።” (ራእይ 12:16, 17) ኣብ ውሽጢ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዝነበሩ ባእታታት ማለት “ምድሪ”: ነቲ “ውሒዝ” ክውሕጥዎ ጀመሩ። ኣብ 1940ታት እቶም መሰኻኸር ካብ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ካብ ገዛእቲ ሓይሊ ናይ ካልኦት ሃገራትን: ናይ ኣምልኾ ናጽነት ዘምጽእ ውሳነታት ረኸቡ። ኣብ መወዳእታ እተን ጥሙራት ሓይልታት ንናይ ናዚ-ፋሺስት ሓይሊ ወሓጠኦ: እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጨካን ውልቀ-መላኽነት እተሳቐዩ መሰኻኽር ዕረፍቲ ኣምጽኣሎም። መስጐግቲ ምሉእ ብምሉእ ጠጠው ኣይበለን: ከመይሲ ቍጥዓ ናይቲ ገበል ክሳዕ ሎሚ ቀጺሉ ኢዩ: ኣንጻር እቶም ‘ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉ’ ኸኣ ይዋጋእ ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት እሙናት መሰኻኽር ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣለዉ: ገሊኦም ከኣ ብምኽንያት ንጽህንኦም ይሞቱ ኣለዉ። ኣብ ገለ ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ግን እቶም ሰበ-ስልጣን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ነቲ ጸቕጢ ኣዝልቕ የብልዎ: እቶም መሰኻኸር ከኣ ስፍሕ ዝበለ ናጽነት የስተማቕሩ ኣለዉ። c በዚ ኸምዚ ንመፈጸምታ ናይቲ ትንቢት ምድሪ ነቲ ናይ መስጐግቲ ውሒዝ ምውሓጥ ትቕጽል።

30. (ሀ) ምድሪ እኹል ረድኤት ዝሃበት እንታይ ንኽፍጸም ኢዩ፧ (ለ) ንጽህና ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ ዘስዕብ፧

30 በዚ መገዲ እዚ ዕዮ ኣምላኽ ኣብ 235 ዝዀና ሃገራት ከም ዝበጽሕ: ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን እሙናት ሰበኽቲ ናይቲ ብስራት ከም ዝፈርዩን ንምግባር: ምድሪ እኹል ረድኤት ሃበት። ምስቶም ዝተረፉ ዘርኢ ናይታ ሰበይቲ: ሓደ ዓቢ ዓለምለኸ ጭፍራ ናይ ሓደስቲ ኣመንቲ ነቲ ብዛዕባ ካብ ዓለም ምፍላይ: ጽፉፍ ስነ-ምግባር ምሓዝ: ከምኡውን ፍቕሪ ኣሕዋት ዝምልከት ትእዛዛት ኣምላኽ ይሕልዉ ኣለዉ: ከምኡውን ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ይምስክሩላ ኣለዉ። ንሰይጣንን ነዚ ኣገባቡን ናይ ሞት ደወል ምእንቲ ክድወል: ንጽህንኦም ነቲ ናይ ሰይጣን ጸርፊ ዝመልኦ ብድሆ መልሲ ይህብ።—ምሳሌ 27:11

[እግረ-ጽሑፋት]

a ምስቶም 12 ነገድ ናይ ስጋውያን እስራኤል: 12 ሃዋርያት: 12 ነገድ ናይ መንፈሳውያን እስራኤል: ከምኡውን ምስቲ 12 ደገታት: 12 መላእኽቲ: 12 መሰረት ናይ ሓዳስ የሩሳሌም ኣረኣእዮ።—ራእይ 21:12-14

b ይኹን እምበር: ራእይ 12:9 ብዛዕባ ‘እቲ ዓብዪ ገበልን መላእኽቱን’ ከም እትዛረብ ኣስተብህል። ስለዚ ድያብሎስ ንርእሱ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ: ሊቀ መላእኽቲ እውን ክኸውን ከም ዝፍትን የርኢ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ፈጺሙ ከምዚ ዝበለ መዓርግ ኣይህቦን ኢዩ።

c ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ብዙሓት ሃገራት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕረፍቲ ሂበንኦም ኢየን፣ ገለ ካብዚ ውሳነታት እዚ ኣብቲ ኣብ ገጽ 92 ዘሎ ሳጹን ተጠቒሱ ኣሎ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 185 ዘሎ ሳጹን]

‘ምድሪ ኣፋ ከፈተት’

ናይ ሰይጣን ናይ መስጐግቲ ጋሻ ውሕጅ: ኣንጻር ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን ኣብ ብዙሕ ሃገራት ተፈነወ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ ውሽጢ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዝኸውን ምዕባለታት ነቲ ውሕጅ ከም ዝውሓጥ ገይሩ ኢዩ።

ብ1940ታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ መብዛሕትኡ እቲ ናይ እምባጋሮን ማእሰርትን ውሕጅ: በቲ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣወንታዊ ውሳነታት ተዋሕጠ።

ብ1945 እቲ ኣብተን ትሕቲ ጀርመንን ጃፓንን ዝነበራ ሃገራት ዝነበረ ጭካነ ዝመልኦ መስጐግቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዓወት ናይቶም ጥሙራት ሓይልታት ጠጠው በለ።

ኣብ ዶመኒካን ሪፓብሊክ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ተኣገዱ: እቶም መሰኻኽር ተኣስሩ: ተገርፉ: ከምኡውን ብሰለፍ ጠበንጃ ተዘብጡ። ብ1960 ኣብ መንጎ ውልቀ-መላኺ ራፋኤል ተሩጂሎን ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያንን እተላዕለ ዘይምስምማዕ: እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ እገዳ ከም ዝለዓል ገበረ።

እቲ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ግዜ ውግእ ሓድሕድ ንመሰኻኽር ዝወርዶም ዝነበረ ምርሻን: ምንዳድ: ምግሳስ: ምዝባጥ: ምስቓይ: ከምኡውን ምቕታል: እታ እዚ ነገራት እዚ ዝፍጸማ ዝነበረ እተነጸለት ኣውራጃ ብ1970 ናይ መንግስቲ ወተሃደራት ምስ ሓዝዋ ጠጠው ኣበለ።

ኣብ ስጳኛ ኣባይቲ ይውረር: ክርስትያናት ከኣ ቃል ኣምላኽ ብምዝራቦምን ክርስትያናዊ ኣኼባ ብምግባሮምን ከም “ገበን” ተቘጺሩ ብገንዘብ ይቕጽዑን ይእሰሩን ነበሩ። ኣብ መጨረሽታ ብ1970 ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሊክ ዘይኰና ሃይማኖታት እተገብረ ናይቲ መንግስቲ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ነቲ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ እገዳ ከም ዝለዓል ምስ ገበረ: እዚ መስጐግቲ እዚ ተወድአ።

ኣብ ፖርቱጋል ብኣማእታት ዝቝጸር ኣባይቲ ብዘይ ናይ ፍቓድ ወረቐት ይጕርጐር ነበረ። መሰኻኽር ኣካላዊ ጉድኣት ይወርዶም: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኣትዉ: ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱሶም ይውረስ ነበረ። ብ1974 ወተሃደራዊ ሰውራ ለውጢ መንግስቲ ከም ዝመጽእ ምስ ገበረን: ናይ ምእካብ ናጽነት ዝህብ ሕጊ ምስ ወጸን እዚ ግብረ ሽበራ እዚ ‘ተዋሕጠ።’

ኣብታ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ትግዛእ ዝነበረት ኣርጀንቲና: ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ቤት ትምህርቲ ይስጐጉ: ኣብታ ሃገር ዝነበሩ መሰኻኽር ከኣ ነቲ ብስራት ብምስባኾም ይእሰሩ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ብ1984 እቲ ሽዑ ዝገዝእ ዝነበረ መንግስቲ ንማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ኣፍልጦ ምስ ሃበ: እዚ መስጐግቲ እዚ ተወድአ።

[ኣብ ገጽ 183 ዘሎ ሰሌዳ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

1914 ምላድ መንግስቲ

1919 ምላድ ሓድሽ ህዝቢ

1919-1922 እዋን ምትዕርራይ

1922- ውሒዝ መስጐጕቲ

[ኣብ ገጽ 182 ዘሎ ስእልታት]

ወዮ ንምድሪ