ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ራእይን ንስኻን

መጽሓፍ ራእይን ንስኻን

ምዕራፍ 44

መጽሓፍ ራእይን ንስኻን

1. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ዅሉ ዘደንቕ መብጽዓታት እቲ መልኣኽ ንዮሃንስ እንታይ መረጋገጺ ሃቦ፧ (ለ) እቲ “ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ” ዝብል መን ኢዩ: እዚ ‘ምምጻእ’ እዚኸ መዓስ ኢዩ፧

 ብዛዕባ እቲ ዘሐጕስ መግለጺ ናይ ሓዳስ የሩሳሌም ምስ ኣንበብካ: ‘ከምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ ነገርሲ ብሓቂዶ ክፍጸም ይኽእል ኢዩ፧’ ኢልካ ንምሕታት ትድረኽ ትኸውን። ዮሃንስ ጸብጻብ ናይቲ ቐጺሉ ዘሎ ቃላት ናይቲ መልኣኽ ብምጥቃስ ነዚ ሕቶ እዚ ይምልሸልና:- “ንሱ ኸኣ፤ እዚ ቓላት እዚ እሙንን ሓቅን እዩ: እግዚኣብሄር: እቲ ኣምላኽ መናፍስቲ ነብያት: እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዚግባእ ነገር ንባሮቱ ኼርእዮም: መልኣኹ ሰዲዱ አሎ። እንሆ: ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ: እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] እዚ ዚሕሉ ኸኣ ብጹእ እዩ: በለኒ።” (ራእይ 22:6, 7) ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ዘደንቕ መብጽዓታት ብርግጽ ክፍጸም ኢዩ! እቲ መልኣኽ ብስም የሱስ ብምዝራብ ‘ቀልጢፉ’ ከም ዝመጽእ ተዛሪቡ ኣሎ። እዚ እቲ የሱስ ንጸላእቲ የሆዋ ንምድምሳስ ንመጽሓፍ ራእይ ኸኣ ዓብይን ሕጕስን ፍጻሜ ንኽገብረሉ ከም “ሰራቒ” ዝመጸሉ እዋን ዘመልክት ክኸውን ኣለዎ። (ራእይ 16:15, 16) ስለዚ ንሕናውን ኣብቲ እዋን እቲ ሕጕሳት ምእንቲ ክንበሃል ንህይወትና ምስ ቃላት “እዚ ጥቕላል እዚ:” መጽሓፍ ራእይ: ከነሰማምዕ ይግብኣና።

2. (ሀ) ዮሃንስ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ትርጕም ዘሎዎ ራእይ ድሕሪ ምርኣዩ ብኸመይ ይምልሰሉ: እቲ መልኣኽከ እንታይ ኢዩ ዝነግሮ፧ (ለ) ካብቲ “ተጠንቀቕ:” “ንኣምላኽ ደኣ ስገድ” ዝብል ቃላት ናይቲ መልኣኽ እንታይ ኢና እንማሃር፧

2 ዮሃንስ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ትርጕም ዘለዎ ራእይ ድሕሪ ምርኣዩ ኣዝዩ ክምሰጥ ከም ዝኽእል ርዱእ ኢዩ:- “ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝርኤኽዎን ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ርኤኹን ከኣ: ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርአየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ። ንሱ ኸኣ፤ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን: ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕልዉን ባርያ እየ: ንኣምላኽ ደኣ ስገድ: በለኒ።” (ራእይ 22:8, 9 ምስ ራእይ 19:10 ኣረኣእዮ።) እዚ ንመላእኽቲ ንኸይተምልኽ ዝኽልክል ክልተ ግዜ እተዋህበ መጠንቀቕታ ብግዜ ዮሃንስ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ ኣብቲ ግዜ እቲ ገለ ሰባት ብግህዶ ንኸምዚ ዝበለ ኣምልኾ ስዒቦም ወይ ከኣ ካብ መላእኽቲ ፍሉይ መብርሂ ተዋሂቡና ይብሉ ነይሮም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 13:1፣ ገላትያ 1:8፣ ቈሎሴ 2:18) እዚ: ሎሚውን እንተዀነ ንኣምላኽ ጥራይ በይኑ ከነምልኾ ከም ዝግብኣና ዘጕልሕ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:10) ነቲ ንጹህ ኣምልኾ ንማንም ወይ ንዝዀነ ይኹን ነገር ብምምላኽ ከነበላሽዎ ኣይግባእን።—ኢሳይያስ 42:5, 8

3, 4. እቲ መልኣኽ ቀጺሉ ንዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝነግሮ: እቶም ቅቡኣት ተረፍ ንቓላቱ እተኣዘዙ ብኸመይ ኢዮም፧

3 ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ድማ፤ እቲ ጊዜ ቐረባ እዩ እሞ: ንቓል ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ኣይትሕተሞ። እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ: እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ: እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር: እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ በለኒ።”—ራእይ 22:10, 11

4 ሎሚ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ንቓላት እቲ መልኣኽ ተኣዚዞም ኢዮም። ንቓላት ናይቲ ትንቢት ኣይሓተምዎን። እኳ ድኣ እታ ቐዳመይቲ ሕታም ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ነጋሪት ህላወ ክርስቶስ (ሓምለ 1879) ብዛዕባ ብርክት ዝበሉ ቍጽርታት ናይ መጽሓፍ ራእይ ሓሳባት ሂባ ነይራ ኢያ። ኣብ መኽፈቲት ምዕራፍና ርኢናዮ ከም ዝነበርና: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብዛዕባ መጽሓፍ ራእይ ዘብርሁ ካልኦት መጻሕፍቲ ሓቲማ ኢያ። ሕጂ ኸኣ እንደገና ኵሎም ኣፍቀርቲ ሓቂ ናብቲ ሓያል ዝዀነ ትንቢታት ናይ መጽሓፍ ራእይን ፍጸሜታቶምን ከም ዘቕልቡ ንገብር ኣሎና።

5. (ሀ) ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ መጠንቀቕታታትን ምኽርን ሸለል ክብልዎ እንተደለዩ እንታይ ይገበር፧ (ለ) መልሲ ናይቶም ትሑታትን ጻድቃንን ዝዀኑ ሰባት እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝግብኦ፧

5 ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ መጠንቀቕታታትን ምኽርን ሸለል ክብልዎ እንተድኣ ደልዮም: ከምኡ ይግበሩ ግደፍዎም! “እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ።” እቶም ኣብቲ ርኽሰት ናይዛ ቀይዲ በተኽ ዝዀነት ዓለም ጠንቀላዕላዕ ክብሉ ዝመርጹ ሰባት ኣብቲ ርኽሰት እቲ ከለዉ ክሞቱ ይኽእሉ ኢዮም። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ፍርድታት የሆዋ ብጥፍኣት ናይ ዓባይ ባቢሎን ጀሚሩ ምሉእ ብምሉእ ክፍጸም ኢዩ። እቶም ትሑታት ሰባት ነቲ “ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ” ዝብል ናይቲ ነብዪ ቃላት ንምፍጻም ዝተግሁ ይግበሮም። (ጸፎንያስ 2:3) እቶም ድሮ ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ኸኣ “እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር: እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ።” እቶም ጥበበኛታት: ካብ ሓጢኣት ዝርከብ ዝዀነ ይኹን ግዝያዊ ጥቕሚ: ምስቲ እቶም ጽድቅን ቅድስናን ዝስዕቡ ክረኽብዎ ዘለዎም ነባሪ በረኸታት ክወዳደር ከም ዘይክእል ይፈልጡ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ “ብእምነት እንተ አሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ: ርእስኹም መርምሩ” ይብል። (2 ቈረንቶስ 13:5) ብመሰረት እቲ ዝመረጽካዮን ሒዝካዮ እትቕጽልን መገዲ: ዓስብኻ ክትቅበል ኢኻ።—መዝሙር 19:9-11፣ 58:10, 11

6. የሆዋ ንኣንበብቲ ናይ መጽሓፍ ራእይ ንመወዳእታ ግዜ እንታይ ኢሉ ይዛረቦም፧

6 የሆዋ እቲ ንጉስ ዘለኣለም ንዅሎም ኣንበብቲ ናይ መጽሓፍ ራእይ ኣብዚ ትንቢት እዚ ንመወዳእታ ግዜ ከምዚ ኢሉ ይዛረቦም:- “እንሆ: ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ: ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ: ዓስበይ ምሳይ እዩ። ኣልፋን ኦሜጋን: ቀዳማይን ዳሕራይን: መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ: ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺአትዉስ: እቶም ክዳውንቶም ዚሐጽቡ ብጹኣን እዮም። እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትውዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።”—ራእይ 22:12-15

7. (ሀ) የሆዋ ‘ቀልጢፉ’ ዝመጽእ ንምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ሓዳስ የሩሳሌም ግደ ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧

7 የሆዋ ኣምላኽ እቲ ዘለኣለማዊ ሉዓለውነቱን ነቲ መጀመርታ ዝዓለሞ ከይፈጸሞ ከም ዘይተርፍን እንደገና የጕልሕ። ፍርዲ ክፍጽምን ነቶም ብልቢ ዝደልይዎ ድማ ዓስቦም ክህብን ‘ቀልጢፉ’ ክመጽእ ኢዩ። (እብራውያን 11:6) መን ዓስቢ ክረክብ መንውን ክድርበ ኸም ዘለዎ ዝውስን እቲ ናቱ መዐቀኒታት ኢዩ። ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ነቲ የሆዋ ኣብዚ ገሊጽዎ ዘሎ ነውራም ተግባራት ዓይኖም ብምዕማት ከም “ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት” ኰይኖም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 56:10-12፣ ከምኡውን ዘዳግም 23:18 ኣብ እግረ-ጽሑፍ ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ርአ።) ብርግጽ: ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታትን ስርዓታትን ‘ፈትዮምን ገይሮምን’ ኢዮም: እቲ የሱስ ነተን ሸውዓተ ማሕበራት ዝሃበን ምኽሪ ኸኣ ፈጺሞም ሸለል ኢሎምዎ ኢዮም። ስለዚ: ኣብ ሓዳስ የሩሳሌም ዋላ ሓንቲ ግደ የብሎምን።

8. (ሀ) ናብተን ‘ኣእዋም ህይወት’ ዝኸዱ መን ጥራይ ኢዮም: እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) እቶም ዓቢ ጭፍራ “ክዳውንቶም ዚሓጸቡ” ብኸመይ ኢዮም: ንጹህ ኣቃውማ ዝሕዙኸ ብኸመይ ኢዮም፧

8 እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ንጹሃት ምእንቲ ክዀኑ ብሓቂ ‘ክዳውንቶም ዝሓጽቡ’ ቅቡኣት ክርስትያናት ጥራይ ኢዮም ናብተን ‘ኣእዋም ህይወት’ ክኸዱ መሰል ዝረኽቡ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ሰማያዊ ቦትኦም ናይ ዘይትመውት ህይወት መሰልን መዓርግን ይረኽቡ ማለት ኢዩ። (ምስ ዘፍጥረት 3:22-24፣ ራእይ 2:7፣ 3:4, 5 ኣረኣእዮ።) ከም ሰባት መጠን ድሕሪ ሙማቶም: ካብ ምዉታት ተንሲኦም ናብ ሓዳስ የሩሳሌም መእተዊ ይረኽቡ። እቶም 12 መላእኽቲ: ነቶም ሰማያዊ ተስፋ ኣሎና ዝብሉ ሓሶት ወይ ርኽሰት ዘዘውትሩ ከልኪሎም: ነዚኣቶም ክኣትዉ ከፍቅዱሎም ኢዮም። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓቢ ጭፍራውን ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮም’ ኢዮም: ነቲ ንጹህ ኣቕዋሞም ከኣ ክዕቅብዎ የድልዮም። ነዚ ኸኣ ነቲ የሆዋ ካብኡ ክርሕቁ ኣብዚ ኣጠንቂቕዎም ዘሎ ነውራም ተግባራት ብምውጋድ ከምኡውን ነቲ የሱስ ኣብተን ጉባኤታት ዝለኣኾ ሸውዓተ መልእኽትታት ዘሎ ምዕዶ ኣብ ልቦም ብምእታው ክገብርዎ ይኽእሉ ኢዮም።—ራእይ 7:14፣ ምዕራፍ 2 ከምኡውን 3

9. የሱስ እንታይ ቃላት ኢዩ ዝዛረብ: እቲ መልእኽቱን ብምልእታ መጽሓፍ ራእይንከ ብመጀመርታ ናብ መን ኢዩ እተላእከ፧

9 ደድሕሪ የሆዋ: የሱስ ይዛረብ። ነቶም ንመጽሓፍ ራእይ ዘንብቡ ቅኑዕ ልቢ ዘሎዎም ሰባት ከምዚ ብምባል ናይ ምትብባዕ ቃላት ይዛረቦም:- “ኣነ የሱስ: ኣብተን ማሕበራት [“ጉባኤታት:” NW] እዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ: ንመልኣኸይ ሰዲደዮ አሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን: እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ።” (ራእይ 22:16) እወ: እዚ ቓላት እዚ ብቐዳምነት ነተን “ጉባኤታት” ኢዩ ተጻሒፉ። እዚ መልእኽቲ እዚ ቅድም ቀዳድም ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዩ። ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ብቐዳምነት ናብቶም ኣብ ሓዳስ የሩሳሌም ዝነብሩ ቅቡኣት ክርስትያናት እተላእከ ኢዩ። እቶም ዓቢ ጭፍራውን በዛ ጉባኤ እዚኣ ኣቢሎም ነዚ ክቡር ትንቢታዊ ሓቅታት ክርድእዎ መሰል ኣሎዎም።—ዮሃንስ 17:18-21

10. የሱስ ንገዛእ ርእሱ (ሀ) “ሱር ዳዊትን ዘርኡን:” (ለ) “እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ:” ኢሉ ዝጸውዓ ስለምንታይ ኢዩ፧

10 የሱስ ክርስቶስ ንመጽሓፍ ራእይ ናብ ዮሃንስ ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ናብታ ጉባኤ ከብጽሕ ሕድሪ ተዋህቦ። የሱስ “ሱር ዳዊትን ዘርኡን” ኢዩ። ብስጋ ካብ ዘርኢ ዳዊት ኢዩ መጺኡ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ንጉስ ናይ መንግስቲ የሆዋ ክኸውን ብቝዕ ኢዩ። ናይ ዳዊት “ኣቦ ዘለኣለም” እውን ክኸውን ኢዩ: በዚ ኸኣ “ሱር” ዳዊት ይኸውን። (ኢሳይያስ 9:6፣ 11:1, 10) ንሱ ነቲ የሆዋ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዝፍጽም ካብ ወለዶ ዳዊት ዝመጽእ ነባርን ዘይመውትን ንጉስ: ከምኡውን እቲ ብግዜ ሙሴ ብትንቢት እተነግረሉ “ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ” ኢዩ። (ዘሁልቍ 24:17፣ መዝሙር 89:34-37) ንሱ እቲ መዓልቲ ከም ዝወግሕ ዝገብር “ኰዀብ ጽባሕ” ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 1:19) ኵሉ ጕርሒ ናይታ ዓባይ ጸላኢት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ብግርማ ከይወጽእ ክኽልክሎ ኣይክእልን ኢዩ።

“ንዓ” ይበል

11. ዮሃንስ እንታይ ንዅሉ ሰብ ዝኸውን ዕድመ ኢዩ ዘቕርብ: መልሲ ክህብ ዝኽእልከ መን ኢዩ፧

11 ሕጂ ዮሃንስ ብግዲኡ ክዛረብ ኢዩ። ብዅሉ እቲ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ልቡ ብሞሳ መሊኡ ከምዚ ይብል:- “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ: ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፤ ንዓ: ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።” (ራእይ 22:17) እቲ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ዘምጽኦ ጥቕምታት ኣብቶም 144,000 ጥራይ እተወሰነ ኣይኰነን: ከመይሲ ኣብዚ ንዅሉ ሰብ ኢዩ ዕድመ ቐሪቡሉ ዘሎ። እቲ ደራኺ ዝዀነ መንፈስ የሆዋ በቶም ክፍሊ ናይታ መርዓት ኣቢሉ ኢዩ ዝዓዪ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ “ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዝብል መልእኽቲ ንጹር ኰይኑ ይስማዕ። (ኢሳይያስ 55:1፣ 59:21 እውን ርአ።) ዝዀነ ይኹን ጽድቂ ዝጸምእ ዘበለ ሰብ: ‘ክመጽእ’ ካብቲ ናይ የሆዋ ልግሲ ኸኣ ክካፈል ይዕደም ኣሎ። (ማቴዎስ 5:3, 6) ኵሎም እቶም ንመጻኢ ናይ ምድሪ ክፍሊ ዝዀኑ እሞ ነዚ ናይቶም ቅቡኣት ክፍሊ ዮሃንስ ዕድመ ዝቕበሉስ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዮም ረኺቦም ዘለዉ!

12. እቶም ዓቢ ጭፍራ ነቲ ኣብ ራእይ 22:17 ዘሎ ዕድመ ብኸመይ ይምልስሉ፧

12 ካብ ፈለማ ናይ 1930ታት ኣትሒዙ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓቢ ጭፍራ ነቲ ዕድመ ‘ክሰምዕዎን’ ከቕልቡሉን ጸኒሖም ኢዮም። ከምቶም ቅቡኣት ብጾቶም ባሮት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ኣቕዋም ንምሓዝ በቒዖም ኢዮም። ነቲ ሓዳስ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ወሪዳ ንደቅሰብ በረኸታት እተውሕዘሉ ግዜ ይናፍቕዎ ኢዮም። እቶም ዓቢ ጭፍራ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ዘነቓቕሕ መልእኽቲ ምስ ሰምዕዎ “ንዓ” ምባል ጥራይ ዘይኰነስ ብንጥፈት ንኻልኦት ናብ ማሕበር የሆዋ ብምእካብ: ንሳቶም እውን “ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ” ኢሎም ምእንቲ ክእውጁ የለማምድዎም ኣለዉ። ስለዚ ልዕሊ 6,000,000 ዝኣኽሉ ኣብ 235 ሃገራት ምስቶም ካብ 9,000 ዝውሕዱ ቅቡኣት ክፍሊ እታ መርዓት ኰይኖም “ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዝብል ዕድመ ክዝርግሑ ከለዉ: ቍጽሪ ናይቶም ዓቢ ጭፍራ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

13. የሱስ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝህብ፧

13 ቀጺሉ ድማ የሱስ እንደገና ከምዚ ኢሉ ይዛረብ:- “ኣነ ቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ንዚሰምዑ ዅሎም እምስክረሎም አሎኹ: ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ: ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ። ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕደለ: ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኸተማን ግዲኡ ኼጕድለሉ እዩ።”—ራእይ 22:18, 19

14. እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ “ትንቢት” ናይ መጽሓፍ ራእይ ብኸመይ ይርእይዎ፧

14 እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ “ትንቢት” ናይ መጽሓፍ ራእይ ከቕልቡሉ ኣለዎም። ክሓብእዎ ወይ ክውስኽሉ ኣይግባእን። መልእኽቱ ካብ “ናሕሲ” ብጋህዲ ክስበኽ ኣለዎ። (ማቴዎስ 10:27) መጽሓፍ ራእይ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈት ኢያ። ካብቲ ኣምላኽ ባዕሉ እተዛረቦ: በቲ ሕጂ ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ድማ ዘመሓላለፎ: ሓንቲ ቓልውን ትኹን ክልውጥ ዝደፍር መን ኢዩ፧ ብርግጽ: ከምዚ ዝገብር ሰብ ህይወት ክስእንን ካብቲ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎንን ኣብ ልዕሊ ምልእቲ ዓለምን ዝወርድ መዓት ክቕበልን ይግባእ ኢዩ።

15. “ነዚ ነገርዚ ዚምስክር” ከምኡውን “ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ” ዝብል ናይ የሱስ ቃላት እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

15 ሕጂ ኸኣ የሱስ ናይ መወዳእታ መተባብዒ ቃል ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “እቲ ነዚ ነገርዚ ዚምስክር: እወ: ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ: ይብል አሎ።” (ራእይ 22:20ሀ) የሱስ እቲ “እሙን ሓቀኛ ምስክር” ኢዩ። (ራእይ 3:14) ነቶም ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘለዉ ትርኢታት እንተድኣ መስኪሩሎም ሓቂ ክዀኑ ኣለዎም። ክልቲኦም: ማለት ንሱን የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉን ‘ብቕልጡፍ’ ዝመጹ ምዃኖም ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጾም ተዛሪቦም ኣለዉ፣ የሱስ ኣብዚ ንሓምሻይ ግዜ ኢዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ። (ራእይ 2:16፣ 3:11፣ 22:7, 12, 20) እቲ ምምጽኦም ድማ ነታ ዓባይ ኣመንዝራን ነቶም ፖለቲካውያን “ነገስታት” ከምኡውን ንዅሎም እቶም ‘ንመንግስቲ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን’ ዝጻረሩ ዘበሉ ኻልኦት ናይ መቕጻዕቲ ፍርዲ ንምውራድ ኢዩ።—ራእይ 11:15፣ 16:14, 16፣ 17:1, 12-14

16. የሆዋ ኣምላኽን የሱስን ቀልጢፎም ይመጹ ከም ዘለዉ ምፍላጥካ እንታይ ቆራጽ ስጕምቲ ኢኻ ክትወስድ ዝግብኣካ፧

16 የሆዋ ኣምላኽን የሱስን ቀልጢፎም ይመጹ ከም ዘለዉ ምፍላጥካ ‘ንመዓልቲ ኣምላኽ ንኸተቀላጥፋ’ ዘተባብዓካ ክኸውን ይግብኦ። (2 ጴጥሮስ 3:12) ዝዀነ ይኹን ጽኑዕ መሲሉ ዝርአ ኣብ ምድሪ ዘሎ ናይ ሰይጣን ኣገባብ መታለሊ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን እቲ ኣብ ትሕቲ ሰይጣን ዘሎ ናይ ዓለማውያን ገዛእቲ ሰማይ ዝረኽቦ ዓወት ግዝያዊ ኢዩ። እዚ ነገራት እዚ ሓላፊ ኢዩ። (ራእይ 21:1) ንዘለኣለም ጸኒዖም ዝነብሩ የሆዋን እታ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቱን እታ ኣተስፍዩዋ ዘሎ ሓዳስ ዓለምን ጥራይ ኢዮም። በዚ ነገርዚ ብፍጹም ኣይትዘንግዕ!—1 ዮሃንስ 2:15-17

17. ንቕድስና የሆዋ ዘሎካ ሞሳ ብኸመይ ክትንክፈካ ይግባእ፧

17 ስለዚ እምበኣር: እቲ መጽሓፍ ራእይ ብምጽናዕካ ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ንህይወትካ ኣዕሚቑ ክጸልዎ እተፍቅደሉ ይግበርካ። እቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ ሰማያዊ ህልውና ብጩራ ዝረኤኻዮ: ፈጣሪና ክሳዕ ክንደይ ዘንጸባርቕ ግርማን ቅድስናን ከም ዘለዎ ኣብ ውሽጥኻ ከም ዝኣቱ ኣይገበረካንዶ፧ (ራእይ 4:1–5:14) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣምላኽ ምግልጋልሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! ንቕድስንኡ ዘሎካ ሞሳ እቲ የሱስ ነተን ሸውዓተ ማሕበራት ዝሃቦ ምኽሪ ኣርዚንካ ንኽትወስዶ ዘለዓዕላካ ከምኡውን ከም ፍቕረ ንዋይ: ኣምልኾ ጣኦት: ዘይስነ-ምግባራውነት: ልቡጥ ምዃን: ናይ ክሕደት ኣንቆራነት: ወይ ዝዀነ ይኹን ንኣገልግሎትካ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይቅቡል ዝገብሮ ነገራት እተርሕቕ ይግበርካ። (ራእይ 2:1–3:22) እቲ “ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ” ዝብል ነቶም ክፍሊ ዮሃንስ እተጻሕፈ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ቃላት ኣብቶም ዓቢ ጭፍራውን ይውዕል ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 1:15, 16

18. ብዝከኣለካ መጠን ምሉእ ግደ ክህልወካ ዝግብኦ ኣብ እንታይ ኢዩ: እዚ ዕዮ እዚኸ ሎሚ ህጹጽ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

18 ብተወሳኺ: ብዛዕባ “ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን” ክትእውጅ ከለኻ ብሓድሽ ቅንኢ እትልዓዓል ይግበርካ። (ኢሳይያስ 35:4፣ 61:2) ካብቶም ሒደት መጓሰ ኹን ወይስ ካብቶም ዓቢ ጭፍራ: ብዛዕባ ምፍሳስ ናይተን ቍጥዓ የሆዋ ዝሓዛ ሸውዓተ ጽዋእን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝወርድ ፍርድታት የሆዋን ኣብ ምእዋጅ: ብዝከኣለካ መጠን ምሉእ ግደ ዝህልወካ ይግበሮ። ከምኡውን ብዛዕባ እታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ የሆዋን ክርስቶስን እቲ ባህ ዘብል ዘለኣለማዊ ብስራት ንምእዋጅ ድምጽኻውን ሓውስ። (ራእይ 11:15፣ 14:6, 7) ኣብዚ ዕዮ እዚ ብህጹጽ ተኻፈል። ከምኡውን ኣብ መዓልቲ ጐይታ ከም ዘለና ምግንዛብ: ንብዙሓት ገና ንየሆዋ ዘየገልግሉ ዘለዉ ኣብዚ ብስራት ናይ ምንጋር ዕዮ ንኽሓብሩና ዝድርኾም ይግበሮ። እዚኣቶም እውን እናሰጐሙ ብምኻድ ህይወቶም ንኣምላኽ ወፍዮም ዝጥመቑ ይግበሮም። “እቲ ዘመን ቀረባ” ምዃኑ ኣይትዘንግዕ!—ራእይ 1:3

19. መዕጸዊ ቃላት ናይቲ ዝሸምገለ ዮሃንስ እንታይ ኢዩ: ንስኻኸ ብኸመይ ትምልሰሉ፧

19 በዚ ኸምዚ ምስ ዮሃንስ ኴንና: ብዕምቈት ከምዚ ኢልና ንጸሊ:- “ኣሜን: ጐይታና የሱስ: ንዓ።” ዮሃንስ እቲ ዝሸምገለ ሃዋርያ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ጸጋ ጐይታና የሱስ ምስ ኵላቶም ቅዱሳት ይኹን። ኣሜን።” (ራእይ 22:20ለ, 21) ምስ ኵሉኹም ነዛ መጽሓፍ እዚኣ እተንብቡውን ይኹን። ኣብቲ “ኣሜን” ብልቢ ምእንቲ ክትሓብሩናስ: እቲ ዓቢ ፍጻሜ ናይ መጽሓፍ ራእይ ከም ዝቐረበ እምነት ይሃልኹም!

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 314 ዘሎ ስእሊ]

‘እቶም ኣኽላባት ኣብ ወጻኢ ኢዮም’

[ኣብ ገጽ 315 ዘሎ ስእሊ]

‘ናብታ ኸተማ ብደጌታታ ዝኣትዉስ ብጹኣን ኢዮም’