ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ክልተ ጨካናት ኣራዊት ምግጣም

ምስ ክልተ ጨካናት ኣራዊት ምግጣም

ምዕራፍ 28

ምስ ክልተ ጨካናት ኣራዊት ምግጣም

ትርኢት 8​—ራእይ 13:1-18

ቀንዲ መልእኽቲ:- እቲ ሸውዓተ ርእሲ ዘሎዎ ኣራዊት: እቲ ክልተ ቐርኒ ዘሎዎ ኣራዊት: ከምኡውን ምስሊ እቲ ኣራዊት

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ካብ ግዜ ኒምሮድ ክሳዕ እቲ ዓቢ ጸበባ

1, 2. (ሀ) ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ገበል እንታይ ይብል፧ (ለ) ዮሃንስ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ነታ እቲ ገበል ዝጥቀመላ እትርአ ማሕበር ብኸመይ ይገልጻ፧

 እቲ ዓቢ ገበል ናብ ምድሪ ተደርበየ! ንመጽሓፍ ራእይ ምጽናዕና እቲ ተመን ወይ ከኣ ሰዓብቱ ዝዀኑ ኣጋንንቲ: ናብ ሰማይ ክምለሱ ከም ዘይፍቀደሎም ኣብሪሃ ክትገልጸልና ኢያ። ብዛዕባ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል” ግን: ገና ኣይወዳእናን ኣሎና። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ነቲ ሰይጣን ምስታ ‘ሰበይትን ምስቶም ዘርኣን’ ንምውጋእ ዝጥቀመሉ ሜላታት ብዝርዝር ይነግረና። (ራእይ 12:9, 17) ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ከይሲ ዝዀነ ገበል ከምዚ ይብል:- “ኣብ ሑጻ ባሕሪውን ደው በለ።” (ራእይ 13:1) ስለዚ እቲ ገበል ዝዓየሉ ሜላ ንምምርማር ህድእ ንበል።

2 ድሕሪ ደጊም እቲ ቕዱስ ሰማያት ብሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣይክጕዳእን ኢዩ። እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኣቶም ካብ ሰማይ ተባሪሮም: ኣብ ከባቢ ምድሪ ኢዮም ተሓጺሮም ዘለዉ። እዚ ኸኣ ምኽንያት ናይቲ ኣብዚ ግዜና ዝርአ ዘሎ ዓቢ ወሰኽ ናይ መናፍስትነት ተግባራት ከም ዝዀነ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ጐራሕ ተመን ገና ብልሽው ዝዀነ መንፈሳዊ ማሕበር ኣሎዎ። እንተዀነ ግን: ንወድሰብ ንምስሓት ዝርአ ማሕበር እውን ይጥቀም ድዩ፧ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “ዓሰርተ ቐርንን ሾብዓተ ርእስን: ኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ: ኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስል: ኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ: ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦ።”—ራእይ 13:1, 2

3. (ሀ) ነብዪ ዳንኤል ብትርኢት እንታይ ጨካናት ኣራዊት ኢዩ ዝረኣየ፧ (ለ) ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 7 ዘለዉ ገዘፍቲ ኣራዊት እንታይ የመልክቱ፧

3 እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣራዊት እዚ እንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ መልሲ ይህብ። ባቢሎን ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ቅድሚ ምውዳቓ ዳንኤል እቲ ኣይሁዳዊ ነብዪ: ጨካናት ኣራዊት ዘሎዎ ትርኢት ርእዩ ነበረ። ዳንኤል ምዕራፍ 7:2-8 ብዛዕባ ካብ ባሕሪ ዝወጹ ኣርባዕተ ኣራዊት ይገልጽ: እቲ ቐዳማይ ንኣንበሳ: እቲ ኻልኣይ ንድቢ: እቲ ሳልሳይ ንነብሪ ይመስል: ድሕርዚ ኸኣ “እንሆ: መፍርህን መሰክሕን ኣዝዩ ብርቱዕን ዝዀነ ራብዓይ ኣራዊት [ርኣየ] . . . ዓሰርተ ኣቕርንቲውን ነበሮ።” እዚ ምስቲ ዮሃንስ ብ96 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ዝረኣዮ ኣራዊት ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ኢዩ። እቲ ኣራዊት እቲ እውን ከም ናይ ኣንበሳ: ድቢ: ነብሪ: ዝመሳሰል ባህርን ዓሰርተ ቐርንን ኣሎዎ። መንነት ናይዞም ብዳንኤል እተራእዩ ገዘፍቲ ኣራዊት እንታይ ኢዩ፧ ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ይሕብረና:- “እዞም . . . ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ካብ ምድሪ ዚትንሰኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።” (ዳንኤል 7:17) እወ: እዞም ኣራዊት እዚኣቶም “ነገስታት” ወይ ፖለቲካውያን ሓይልታት ምድሪ ኢዮም ዘመልክቱ።

4. (ሀ) ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 8 እቲ ድዑልን እቲ ድቤላን እንታይ የመልክቱ፧ (ለ) እታ ምርእይቲ ቐርኒ ናይቲ ድዑል ተሰይራ ኣብ ቦታኣ ኣርባዕተ ቐርኒ ምትክአን እንታይ የመልክት፧

4 ኣብ ካልእ ትርኢት: ዳንኤል ብሓደ ምርእይቲ ቐርኒ ዘላቶ ድቤላ ዝውቃዕ ክልተ ዝቐርኑ ድዑል ይርኢ። ገብርኤል መልኣኽ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ከምዚ ኢሉ ይገልጸሉ:- “እቲ . . . ድዑልሲ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም። እቲ ጨጓር ድቤላ ድማ ንጉስ ዮናኒ [“ግሪኽ:” NW] እዩ።” ቀጺሉውን ገብርኤል እታ ምርእይቲ ቐርኒ ናይቲ ድቤላ ከም እትስበር: ኣርባዕተ ቐርኒ ኸኣ ከም ዝትክእኣ ተነበየ። እዚ ልዕሊ 200 ዓመታት ጸኒሑ: ኣለክሳንደር ዓቢ ምስ ሞተ መንግስቱ ኸኣ ኣብቶም ኣርባዕተ ጀነራላቱ ምስ ተመቓቐለት ተፈጸመ።—ዳንኤል 8:3-8, 20-25 a

5. (ሀ) እታ ኣራዊት እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እንታይ ኢያ እትሕብር፧ (ለ) እቲ ኣብ ራእይ 13:1, 2 ዘሎ ኣራዊት ምስ ሸውዓተ ርእሱ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

5 ስለዚ: ደራሲ ናይዚ ብመንፈስ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ንፖሊቲካውያን ሓይልታት ምድሪ ከም ኣራዊት ክቘጽሮም ርዱእ ኢዩ። እንታይ ዓይነት ኣራዊት ኢዮም፧ ሓደ ወሃብ ርእይቶ ነቲ ኣብ ራእይ 13:1, 2 ዘሎ ኣራዊት “እንስሳ” ኢሉ ይጽውዖ: ወሲኹ ኸኣ “ኵሉ እቲ θηρίον [ተ·ሪʹዮን “ኣራዊት” ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል] ንሓደ ጨካን: መጥፍኢ: መፍርሒ: ሃርጓም: ወዘተ. ዝዀነ ግናይ እንስሳ ንምግላጽ እተዋህበ ሓበሬታ ንቕበሎ ኢና” ይብል። b ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ነቲ ሰይጣን ወድሰብ ንምግዛእ እተጠቕመሉ ብደም ዝጨቀወ ፖለቲካዊ ኣገባብ ጽቡቕ ገይሩ ዝገልጾ! እቲ ሸውዓተ ቐርኒ ናይዚ ኣራዊት እዚ ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጾም ዘለዉ ክሳዕ ግዜ ዮሃንስ ዝነበሩ ሽዱሽተ ዓበይቲ ሓይሊ ዓለምን—ግብጺ: ኣሶር: ባቢሎን: ሜዶንን ፋርስን: ግሪኽ: ከምኡውን ሮሜ—ነቲ ጸኒሑ ከም ዝቕልቀል ብትንቢት እተነግረሉ ሻውዓይ ሓይሊ ዓለምን ኢዮም ዘመልክቱ።—ምስ ራእይ 17:9, 10 ኣረኣእዮ።

6. (ሀ) እቶም ሸውዓተ ርእሲ ናይቲ ኣራዊት ኣብ እንታይ ኢዮም መሪሕነት ዝወሰዱ፧ (ለ) የሆዋ ፍርዱ ኣብቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ብመንግስቲ ሮሜ ገይሩ ዝፈጸሞ ከመይ ገይሩ ኢዩ: ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናትከ ብኸመይ ተዋጺኦምሉ፧

6 ሓቂ ኢዩ: ልክዕ ከምቲ እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ኣራዊት ኣካልን ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዝነበሮ ዝኣመሰሉ ኣብ ታሪኽ ብጀካ እዞም ሸውዓተ ሓይሊ ዓለም ካልኦት ሓይልታት ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን እቲ ሸውዓተ ርእሲ: ነቶም ነፍሲ ወከፎም በብግዜኦም ህዝቢ ኣምላኽ ንምጭቋን መሪሕነት ዝወሰዱ ሸውዓተ ዓበይቲ ሓይሊ ዓለም የመልክት። ብ33 ከ.ኣ.ዘ.: ሮሜ ኣብ ስልጣን ዝነበረትሉ ግዜ: ሰይጣን ነቲ ርእሲ እቲ ኣራዊት ወዲ ኣምላኽ ንምቕታል ተጠቕመሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣምላኽ ነቲ እምነት ዘይነበሮ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ጠንጠኖ: ጸኒሑውን ብ70 ከ.ኣ.ዘ. መንግስቲ ሮሜ ኣብቲ ህዝቢ እቲ ፍርዱ ክትፍጽም ተጠቕመላ። ነቶም ብሓቂ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ዝዀኑ ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ስለ እተዋህቦም ዘሐጕስ ኢዩ: እቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዝነበሩ ኸኣ ህይወቶም ከድሕኑ ስግር ርባ ዮርዳኖስ ሃደሙ።—ማቴዎስ 24:15, 16 ገላትያ 6:16

7. (ሀ) መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ምስ መጸ: ከምኡውን መዓልቲ ጐይታ ምስ ጀመረት እንታይ ክኸውን ነበሮ፧ (ለ) ሻውዓይ ርእሲ ናይቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 13:1, 2 ተጠቒሱ ዘሎ ኣራዊት እንታይ ምዃኑ ኢዩ እተረጋገጸ፧

7 ይኹን እምበር: ኣብ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ብዙሓት ካብቶም ኣብዛ ናይ ቅድም ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት ካብ ሓቂ ረሓቑ: እቶም “ደቂ መንግስቲ” ዝዀኑ ብስርናይ እተመሰሉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት በቶም “ደቂ እቲ ኽፉእ” ዝዀኑ ክርዳድ ተሓንቁ። መወዳእታ ናይዚ ኣገባብዚ ምስ ኣተወ ግን ቅቡኣት ክርስትያናት እንደገና እተመሓደረ ጕጅለ ዀይኖም ተቐልቀሉ። ኣብ መዓልቲ ጐይታ እቶም ጻድቃን ‘ከም ጸሓይ ዚበርሁሉ’ ግዜ በጽሐ። ስለዚ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምዕያይ ተዳለወት። (ማቴዎስ 13:24-30, 36-43) ሽዑ ሃጸይ ሮሜ ኣይነበረትን። እቲ ሰፊሕ ግዝኣት ዝሓዘ ሃጸይ ዓባይ ብሪጣንያ ምስታ ሓያል ዝዀነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ናይ ዓለም መድረኽ እቲ ኣገዳሲ ቦታ ሓዛ። እዚ ድርብ ሓይሊ ዓለም እዚ እቲ ሻውዓይ ርእሲ ናይቲ ኣራዊት ምዃኑ ኣረጋገጸ።

8. እቲ ብኽልተ ዝቘመ ናይ ኣንግሎ-ኣመሪካ ሓይሊ ዓለም ምስ ኣራዊት እንተተመሳሰለ ዘሰንብድ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ነዞም ዝገዝኡ ዘለዉ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኣራዊት ኢልካ ክትጽውዖም ዘሰምብድዶ ኣይኰነን፧ እዚ ገለ ተቓወምቲ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝበልዎ ኢዩ: ሽዑ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ናይ ሕጊ ኣብያተ ፍርዲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ማሕበርን ከም ወልቀ-ሰባትን ዝነበሮም ቦታ ኣብ ክርክር ዝነበረሉ ግዜ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ርግእ ኢልካ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ሃገራት ባዕላተን ከም ሃገራዊ ኣርምአን ኣራዊት ወይ እንስሳ ዘገዳም ኣይጥቀማንዶ ኢየን፧ ንኣብነት ናይ ብሪጣንያ ኣንበሳ: ናይ ኣመሪካ ንስሪ: ከምኡውን ናይ ቻይና ገበል ኣሎ። ስለዚ እቲ መለኮታዊ ደራሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣራዊት ንሓይሊ ዓለም ንኸምልክት እንተተጠቕመሉስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ስለምንታይ ይቃወም፧

9. (ሀ) ነቲ ኣራዊት ስልጣን ዝሃቦ ሰይጣን ኢዩ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘራርባ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክቃወሞ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሰይጣን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: ንመንግስታትከ ብኸመይ ኢዩ ዝጸልወን፧

9 ብተወሳኺ: ነቲ ኣራዊት ዓቢ ስልጣን ዝህቦ ሰይጣን ኢዩ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘራርባ ዝዀነ ይኹን ሰብ ስለምንታይ ይቃወሞ፧ ናይዚ ሓሳባት እዚ ምንጪ ኣምላኽ ኢዩ: ሃገራት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ከም ‘ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮን ከም ሓንቲ በሰርን’ ኢየን። እዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ክንዲ በቲ ትንቢታዊ ቃል ኣምላኽ ሂብወን ዘሎ ኣገላልጻ ዝዅርያ: ስምረቱ እንተ ዝደልያ ዝሐሸ ነይሩ። (ኢሳይያስ 40:15, 17፣ መዝሙር 2:10-12) ሰይጣን ሓደ ንምዉታት ኣብ ሲኦል ሓዊ ዘሳቒ ናይ ጽውጽዋይ ፍጡር ኣይኰነን። ከምዚ ዝበሃል ቦታ ፈጺሙ የለን። ኣብ ክንድኡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት: ሰይጣን ብሓፈሻ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ብርቱዕ ጽልዋ ዘለዎ ጐይታ ምስሓት ዝዀነ ‘መልኣኽ ብርሃን’ ተባሂሉ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ።—2 ቈረንቶስ 11:3, 14, 15፣ ኤፌሶን 6:11-18

10. (ሀ) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይተን ዓሰርተ ቐርኒ ዘውዲ ምህላዉ እንታይ የመልክት፧ (ለ) እቲ ዓሰርተ ቐርንን ዓሰርተ ዘውድን እንታይ የመልክቱ፧

10 እቲ ኣራዊት ኣብቲ ሸውዓተ ርእሱ ዓሰርተ ቐርኒ ኣለዎ። ምናልባት እተን ኣርባዕተ ርእሲ ሓሓንቲ ቐርኒ: እተን ሰለስተ ኸኣ ከክልተ ቐርኒ ዘለውአን ክዀና ይኽእላ። ብተወሳኺ: ኣብ ቀርኑ ዓሰርተ ዘውዲ ኣሎዎ። ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘፍርሁ ኣራዊት ተገሊጾም ኣለዉ: ቍጽሪ ቀርኖምውን ቃል ብቓሉ ኢዩ ተተርጒሙ ዘሎ። ንኣብነት: እቲ ኽልተ ቀርኒ ናይቲ ድዑል ብኽልተ ሽርካ ዝቘመ ሓይሊ ዓለም ናይ ሜዶንን ፋርስን የመልክት፣ እቶም ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ዲቤላ ድማ ነተን ብሓደ እዋን ካብቲ ናይ ኣለክሳንደር ዓቢ ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ዝወጻ ኣርባዕተ ሃጸያት የመለክቱ። (ዳንኤል 8:3, 8, 20-22) ይኹን እምበር: እቲ ዮሃንስ ኣብ ርእሲ እቲ ኣራዊት ዝረኣዮ ዓሰርተ ቐርኒ ቍጽሩ ምሳልያዊ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። (ምስ ዳንኤል 7:24፣ ራእይ 7:12 አረኣእዮ።) እዚ ምልኣት ናይተን ብምሉኡ ፖለቲካዊ ማሕበር ሰይጣን ዘቝማ ሉዓላውያን መንግስታት የመልክት። ኵሉ እዚ ቐርኒ እዚ ዝጥሕርን ቍጡዕን ኢዩ: እቲ ሸውዓተ ርእሲ ከም ዘመልክቶ ግን ርእስነት ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ሓይሊ ዓለም ጥራይ ኢዩ ዝህልዎ። ብተመሳሳሊ: እቲ ዓሰርተ ዘውዲ ኵለን ሉዓላውያን መንግስታት ምስታ ዓብላሊት መንግስቲ ወይ ከኣ ኣብቲ እዋነን ዘላ ሓይሊ ዓለም: ብሓንሳብ ናይ ምግዛእ ሓይሊ ክህልወን ከም ዝዀነ የመልክት።

11. እቲ ኣራዊት ‘ኣብቶም ኣራእሱ ስማት ጸረፊ ዘለዎ’ ምዃኑ እንታይ የመልክት፧

11 እቲ ኣራዊት ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንየሆዋ ኣምላኽን ንክርስቶስ የሱስን ዘሕስር ነገራት ብምባሉ ኣብ ‘ኣራእሱ ስማት ጸርፊ’ ኣለዎ። ፖሊቲካዊ ዕላማታቱ ንኽቐንዖ ስም ኣምላኽን ክርስቶስን ከም መሸፈኒ ተጠቕመሉ፣ ኣቕሽሽቲ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ግደ ክህልዎም ክሳዕ ምፍቃድውን ከይተረፈ: ምስ ሓሶት ሃይማኖት ርክብ ገይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ባይቶ ሽማግለታት ዓዲ እንግሊዝ ነቶም ኣቡናት ዘጠቓለለ ኢዩ። ኣብ ፈረንሳን ኢጣልያን ናይ ካቶሊክ ካርዲናላት ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ጕሉሕ ግደ ነይርዎም ኢዩ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸኣ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኻህናት ፖለቲካዊ ስራሕ ሒዞም ኢዮም። መንግስታት ኣብ ገንዘቦም “ንኣምላኽ ኢና እንኣምን” ዝብል ሃይማኖታዊ ጭርሖታት ይገብሩ: ኣብ ሰናቲሞም ከኣ እዚኣቶም “ብጸጋ ኣምላኽ ኢዮም” ተሸይሞም ዝብል ብምጽሓፍ: ገዛእቶም መለኮታዊ ስምረት ከም ዘሎዎም ይዛረቡ። ንኣምላኽ ኣብዚ ብሃገራዊ ስምዒት እተቘማጥዐ ፖለቲካዊ መድረኽ ከእትዎ ስለ ዝፍትን እዚ ዅሉ ብሓቂ ንኣምላኽ ምጽራፍ ኢዩ።

12. (ሀ) እቲ ኣራዊት ካብ “ባሕሪ” ምውጽኡ እንታይ የመልክት: መዓስከ ኢዩ ክወጽእ ዝጀመረ፧ (ለ) እቲ ዓቢ ገበል ነቲ ምሳልያዊ ኣራዊት ብዙሕ ስልጣን ምሃቡ እንታይ የመልክት፧

12 እቲ ኣራዊት ካብቲ ሰብኣውያን መንግስታት ዝለዓላሉ: ‘ብባሕሪ’ ክምሰል ዝበቅዕ ዕግርግር ዝመልኦ ሓፋሽ ህዝቢ ይመጽእ። (ኢሳይያስ 17:12, 13) እዚ ኣራዊት እዚ ካብቲ ብባሕሪ ተመሲሉ ዘሎ ዘዕገርግር ህዝቢ ክወጽእ ዝጀመረ: እቲ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ኣገባብ ንየሆዋ ምስ ተቓወሞ: ካብ ግዜ ኒምሮድ (ብ21 ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ) ኣትሒዙ ኢዩ። (ዘፍጥረት 10:8-12፣ 11:1-9) እንተዀነ ግን: እቲ ናይ መወዳእታ ካብቶም ሸውዓተ ኣራእስ ንገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ዘግሃደ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ኢዩ። ነቲ ኣራዊት “ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን” ዝሃቦ እቲ ገበል ከም ዝዀነ ኣይትዘንግዕ። (ምስ ሉቃስ 4:6 ኣረኣእዮ።) እቲ ኣራዊት: ሰይጣን ካብ መንጎ ናይ ደቅሰብ ሓፋሽ ዘምጽኦ ፖለቲካዊ ፍጥረት ኢዩ። ብሓቂ ሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢዩ።—ዮሃንስ 12:31

ናብ ሞት ዘብጽሕ ቍስሊ

13. (ሀ) ነቲ ኣራዊት ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ጐይታ እንታይ መዓት ኢዩ ዝወረዶ፧ (ለ) ሓደ ርእሲ ናይ ሞት መውቃዕቲ ምስ ረኸቦ ብምሉኡ እቲ ኣራዊት ዝሳቐ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

13 ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ነቲ ኣራዊት መዓት ወረዶ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ይህብ:- “ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን ንሞት ከም እተወግኤ ዀ[] እሞ እታ ቝስሊ ሞቱ ሐወየት: ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዐበት።” (ራእይ 13:3) እዛ ቝጽሪ እዚኣ ሓደ ርእሲ ናይቲ ኣራዊት ናብ ሞት ዘብጽሕ ቍስሊ ከም ዝወረዶ ትነግረና: ቝጽሪ 12 ግን ብምሉኡ እቲ ኣራዊት ከም እተሳቐየ ይዛረብ። ከምኡ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣራእስ ናይቲ ኣራዊት ብሓንሳብ ኣይኰኑን ናብ ስልጣን ዝድይቡ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ልዕሊ ወድሰብ: ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ በብተራ ኢዮም ዝጕይተቱ። (ራእይ 17:10) በዚ ኸምዚ: መዓልቲ ጐይታ ክጅምር ከሎ ሓደ ርእሲ ማለት እቲ ሻውዓይ ጥራሕ ኢዩ ከም ዓብላሊ ሓይሊ ዓለም ኰይኑ ዝገዝእ። ነቲ ርእሲ እቲ ዘጋጠሞ ናብ ሞት ዘብጽሕ ቝስሊ ንብዘሎ እቲ ኣራዊት የጨንቖ።

14. እቲ ናይ ሞት መውቃዕቲ መዓስ ኢዩ ዝዀነ: ሓደ ወተሃደራዊ መኮነንከ ኣብቲ ናይ ሰይጣን ኣራዊት ዘሎዎ ሳዕቤን ብኸመይ ገለጾ፧

14 እቲ ናብ ሞት ዘብጽሕ ቝስሊ እንታይ ኢዩ፧ ጸኒሑ ብሴፍ ዝቘሰለ ተባሂሉ ኣሎ: ሴፍ ከኣ ናይ ውግእ ምልክት ኢዩ። እዚ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ጐይታ ዝዀነ ብሴፍ ምቝሳል: ነቲ ንናይ ሰይጣን ፖለቲካዊ ኣራዊት ዝደምሰሰን ዝመጸየን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከመልክት ኣለዎ። (ራእይ 6:4, 8፣ 13:14) ደራሲ ማውሪስ ጀነቭዋ: ኣብቲ ግዜ ውግእ ወተሃደራዊ መኰነን ዝነበረ: ብዛዕባ እቲ ውግእ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ ከም 2 ነሓሰ 1914 ዝበለ ኣገዳስነት ዘሎዎም ዕለታት ብዙሓት ከም ዘይኰኑ ኵሉ ይሰማምዓሉ ኢዩ። ብመጀመርታ ኣውሮጳ ሓንሳእ ከይጸንሐ ኸኣ ዳርጋ ኵሎም ደቅሰብ ኣብ ሓደ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣተዉ። ዋዕላታት: ውዕላት: ስነ-ምግባራዊ ሕግታት: ከምኡውን ኵሉ መሰረታዊ ስርዓታት ተናወጸ፣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኵሉ ነገር ኣብ ሕቶ ኣተወ። እቲ ፍጸመ ካብቲ ሰብ ብባህሪኡ ክግምቶ ዝኽእልን ካብቲ ምኽንያታዊ ዝዀነ ትጽቢትን ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። ዓብን: ዕግርግር ዝመልኦን ግናይን ነበረ: እቲ ሳዕቤኑ ገና ይዓናቕፈና ኣሎ።”—ማውሪስ ጀነቭዋ: ኣባል ናይ ኣካደሚ ፍራንሴዝ: ኣብታ ፕሮሚስ ኦቭ ግሬትነስ (1968 እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ እተጠቕሰ።

15. እቲ ሻውዓይ ርእሲ ናይቲ ኣራዊት ናይ ሞት መውቃዕቲ ዝረኸቦ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

15 እቲ ውግእ እቲ ነቲ ዓብላሊ ሻውዓይ ርእሲ ናይቲ ኣራዊት ዓቢ ዕንወት ኢዩ ነይሩ። ብሪጣንያ ምስ ካልኦት ናይ ኣውሮጳ ሃገራት ኣብቲ ውግእ ዘሰንብድ ቍጽሪ መንእሰያታ ኣጥፍአት። ብ1916 ኣብ ሓንቲ ውግእ: ናይ ርባ ሶሜ ውግእ: ጥራይ 420,000 ወተሃደራት ብሪጣንያ: ምስኦም ከኣ 194,000 ፈረንሳውያንን 440,000 ጀርመናውያን ምዉታትን ብኸቢድ ዝቖሰሉን ደሃይ ዘይብሎምን ነበሩ: ኵሉ ዅሉ ልዕሊ 1,000,000 መቕዘፍትታት ኰነ! ብቝጠባ እውን ብሪጣንያ—ምስተን ካልኦት ናይ ኣውሮጳ ሃገራት—ተሓምሺሻ ኢያ። እቲ ገዚፍ ዝነበረ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሃጸይ: በቲ መዝበጥቲ ሰንከልከል በለ: ፈጺሙ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ኣይሓወየን። እቲ 28 ቀንዲ ሃገራት እተኻፈላሉ ውግእ: ንብዘላ ዓለም ብሞት ከም እተዘብጠት ገይሩ ኣናወጻ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ጀመረ 65 ዓመታት ጸኒሑ: ብ4 ነሓሰ 1979 ዘ ኤኮኖሚስት ናይ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ይህብ:- “ብ1914 ዓለም ዝነበራ ስኒት ፈጺማ ኣጥፍአት: ካብ ሽዑ ኣትሒዛ እውን እንደገና ክትመልሶ ኣይከኣለትን።”

16. ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፍሊ ናይ ሓደ ድርብ ሓይሊ ዓለም ምዃና ብኸመይ ኣርኣየት፧

16 እቲ ሽዑ ዓቢ ውግእ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ: ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፍሊ ናይ ኣንግሎ-ኣመሪካ ሓይሊ ዓለም ንኽትከውን መገዲ ከፈተላ። ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናይቲ ውግእ: ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብቲ ግርጭት ከም ዘይትኣቱ ገይርዋ ነበረ። ከምቲ ጸሓፍ ታሪኽ ኤስም ዊንግፊልድ ስትራትፎርድ ዝጸሓፎ ግን: “ኣብዚ ልዕልነት ኣብ ቅልውላው ዝኣተወሉ ሰዓት: ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሓድነትን ናይ ሓባር ዋኒንን ብምድልዳል: ንፍልልያተን ይርስዕኦዶ ኣይርስዕኦን ዝብል ሕቶ ኢዩ ነይሩ።” እቲ ፍጻመ ከም ዘመልከቶ ከምኡ ገይረን ኢየን። ብ1917 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ሰንከልከል ዝብል ዝነበረ ጻዕሪ ናይቶም ጥሙር ሓይልታት ንምድጋፍ ገንዘባን ሰባን ሃበት። በዚ ኸምዚ እቲ ንዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘጣመረ ሻውዓይ ርእሲ ኣብ ዓወት በጽሐ።

17. ብድሕርቲ ውግእ ናይ ሰይጣን ምድራዊ ኣገባብ እንታይ ኰነ፧

17 ድሕርቲ ውግእ ዝነበረት ዓለም ፈጺማ ተለወጠት። እቲ ናይ ሰይጣን ምድራዊ ኣገባብ በቲ ናብ ሞት ዘብጽሕ ቍስሊ ዓንዩ እኳ እንተነበረ: እንደገና ህያው ብምዃን ካብ ቅድሚኡ ብዝበለጸ ሓያል ኰነ: በቲ ዘርኣዮ ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ኸኣ ሰባት ኣድነቕዎ።

18. ወድሰብ ብሓፈሻ ‘ተገሪሙ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ስዒቡ’ ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

18 ጸሓፍ ታሪኽ ቻርለስ ኤል. ሚ ጁኒዮር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ውድቀት ናይቲ ኣረጊት ስርዓት [ብምኽንያት ቀዳማይ ውግእ ዓለም እተፈጸመ]: ናይ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምግዛእ: ናይ ሓደስቲ ሃገራትን ክፍልታትን ሓርነት: ከምኡውን ሓድሽ ናጽነትን ሓርነትን ንኽሰፍሕ ኣድላዪ መኽፈቲ ኢዩ ነይሩ።” እቲ ሕጂ ሓውዩ ዘሎ ሻውዓይ ርእሲ ናይቲ ኣራዊት ነዚ ናይ ድሕሪ ውግእ ግዜ እዚ ንምምዕባል: ምስታ ናብ ዓብላሊ ቦታ ገጻ ዝኸደት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዀይኑ መርሐ። እዚ ድርብ ሓይሊ ዓለም እዚ ኣብ ክንዲ እተኣሳሰራ መንግስታትን ሕቡራት ሃገራትን ንምጥባቕ መሪሕነት ወሰደ። ኣብ 2005 ነተን ዝያዳ መሰል ዝረኸባ ሃገራት ልዑል ናይ ናብራ ደረጃ ንኽህልወን: ሕማም ንምክልኻል: ብተክኖሎጂ እውን ንምስልጣን ናይ ሕቡራት መንግስታት ፖለቲካዊ ሓይሊ ሓጊዙወን ኢዩ። 12 ሰባት ናብ ወርሒ እውን ከይተረፈ ሰደደት። ስለዚ ወድሰብ ብሓፈሻ ‘ተገሪሙ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ምስዓቡ’ ዘስደምም ኣይኰነን።

19. (ሀ) ወድሰብ ነቲ ኣራዊት ካብ ምድናቕ ንላዕሊ ዝገበረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኵላ ምድሪ ስልጣን ዘሎዎ መን ኢዩ: ብኸመይከ ንፈልጥ፧ (ሐ) ሰይጣን ስልጣኑ ነቲ ኣራዊት ዝህቦ ብኸመይ ኢዩ: ንመብዛሕትኦም ሰባትከ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧

19 ወድሰብ ነቲ ኣራዊት ካብ ምድናቕ ንላዕሊውን ከይተረፈ ገይሩ ኢዩ: ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ንሳቶም ከኣ: ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሀቦ: ነቲ ገበል ሰገዱሉ: ነቲ ኣራዊትውን: ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧ እናበሉ ሰገዱሉ [“ኣምለኽዎ:” NW]።” (ራእይ 13:4) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ሰይጣን ኣብ ኵለን መንግስታት ዓለም ስልጣን ከም ዘለዎ ተዛረበ። ነዚ ነገር እዚ የሱስ ኣይተኸራኸሮን፣ ባዕሉ እኳ ደኣ ንሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኢሉ ጸውዖ: ኣብቲ ናይቲ ግዜ እቲ ፖለቲካ ኸኣ ኢዱ ምእታው ኣበየ። ጸኒሑ ኸኣ ዮሃንስ ብዛዕባ ሓቀኛታት ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብ ኣምላኽ ምዃንና: ብዛላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” (1 ዮሃንስ 5:19፣ ሉቃስ 4:5-8፣ ዮሃንስ 6:15፣ 14:30) ሰይጣን ነቲ ኣራዊት ስልጣን ይህቦ: ነዚ ኸኣ ብሃገራዊ ደረጃ ይገብሮ። በዚ ኸምዚ ወድሰብ ኣብ ክንዲ ብማእሰር ኣምላኻዊ ፍቕሪ ዝሓብር: ብቐቢላዊ: ዓሌታዊ: ከምኡውን ሃገራዊ ትዕቢት ተኸፋፈለ። መብዛሕትኦም ሰባት: ነቲ ኣብታ ዝነብሩላ ሃገር ስልጣን ዘሎዎ ክፍሊ ናይቲ ኣራዊት ኢዮም ዘምልኹ። በዚ ኸምዚ ብምሉኡ እቲ ኣራዊት ኣድናቖትን ኣምልኾን ይረክብ።

20. (ሀ) ሰባት ነቲ ኣራዊት ዘምለኽዎ በየናይ መገዲ ኢዮም፧ (ለ) ንየሆዋ ኣምላኽ ዘምልኹ ክርስትያናት ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣምልኾ ናይቲ ኣራዊት ግደ ክህልዎም ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ: ናይ መን ኣብነትከ ኢዮም ዝኽተሉ፧

20 በየናይ መገዲ ኢዩ ዝምለኽ፧ ፍቕሪ ሃገር ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብምቕዳም ኢዩ። መብዝትሕትኦም ሰባት ነታ እተወልዱላ ሃገር ኢዮም ዘፍቅሩ። እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ከም ንፉዓት ዜጋታት መጠን ንገዛእትን ኣርማታትን ናይታ ዝነብሩላ ሃገር የኽብሩ ኢዮም: ንሕግታት ይእዘዙ: ንግብረ-ሰናይ ናይ ማሕበረሰቦምን ጐረባብቶምን ከኣ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ይገብሩ ኢዮም። (ሮሜ 13:1-7፣ 1 ጴጥሮስ 2:13-17) ይኹን እምበር: ንሓንቲ ሃገር ካብ ካልኦት ኣብሊጾም ብምርኣይ ዕዉር ተወፋይነት ኣይህቡን ኢዮም። እቲ “ቅኑዕ ይኹን ጌጋ: ኵሉ ድሕሪ ሃገር” ዝብል ኣዘራርባ: ክርስትያናዊ ትምህርቲ ኣይኰነን። ስለዚ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘምልኹ ክርስትያናት ንዝዀነ ይኹን ክፍሊ ናይቲ ኣራዊት ትዕቢት ዝመልኦ ናይ ሓርበኛታት ኣምልኾ ኣብ ምሃብ ክካፈሉ ኣይክእሉን ኢዮም: ምኽንያቱ ከምዚ ምግባር ነቲ ንስልጣን ናይቲ ኣራዊት ምንጩ ዝዀነ ገበል ምምላኽ ማለት ኢዩ። ብምግራም “ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧” ኢሎም ክሓቱ ኣይክእሉን ኢዮም። ኣብ ክንድኡ ንኣድማሳዊ ሉዓላውነት ናይ የሆዋ ኣጽኒዖም ክሕዙ ከለዉ: ኣርኣያ ናይቲ ትርጕም ስሙ “መን ከም ኣምላኽ፧” ዝዀነ ሚካኤል ኢዮም ዝስዕቡ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ እዚ ሚካኤል ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ: ልክዕ ከምቲ ንሰይጣን ካብ ሰማይ ከልግሶ ከሎ እተዓወተ: ምስቲ ኣራዊት ክዋጋእን ክስዕሮን ኢዩ።—ራእይ 12:7-9፣ 19:11, 19-21

ምስቶም ቅዱሳት ምውጋእ

21. ሰይጣን ነቲ ኣራዊት ኣብ ድላዩ ከም ዝጠዋውዮ: ዮሃንስ ከመይ ገይሩ ይገልጾ፧

21 እቲ ጐራሕ ሰይጣን ነቲ ኣራዊት ኣብቲ ንሱ ዝደልዮ ዕላማ ክጠዋውዮ መደብ ኣሎዎ። ዮሃንስ ነዚ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:- “ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ [ነቲ ሸውዓተ ርእሲ ዘለዎ ኣራዊት] ተዋህቦ: በርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦ። ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነበሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ። እቶም: ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ: ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ህይወት ዘይተጻሕፈ: ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም።”—ራእይ 13:5-8

22. (ሀ) እተን 42 ወርሒ ንኸመይ ዝበለ ግዜ ኢየን ዘመልክታ፧ (ለ) ኣብተን 42 ወርሒ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እተሳዕሩ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧

22 እተን ኣብዚ ተጠቒሰን ዘለዋ 42 ወርሒ: ምስተን ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዘለዋ እቶም ቅዱሳት በታ ካብ ሓደ ካብቶም ኣራዊት እትወጽእ ቀርኒ ዝጭነቝለን ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ሓደ ኢየን። (ዳንኤል 7:23-25፣ ራእይ 11:1-4 እውን ርአ።) በዚ ኸምዚ: ካብ መወዳእታ 1914 ክሳዕ 1918 እተን ዝዋግኣ ዝነበራ ሃገራት ቃል ብቓሉ ንሓድሕደን ከም ኣራዊት ክጠሓሓራ ኸለዋ: ዜጋታት ናይተን ሃገራት እቲኣተን ነቲ ኣራዊት ከምልኹ: ኣብ ሃይማኖት ናይ ሃገራዊ ስምዒት ክኣትዉ: ምእንቲ ሃገሮም ንሙማት ቅሩባት ክዀኑ እውን ከይተረፈ ተገዲዶም ኢዮም። ከምዚ ዝበለ ጸቕጢ ነቶም ዝለዓለ ተኣዛዝነቶም ንየሆዋ ኣምላኽን ንወዱ ክርስቶስ የሱስን ኢዩ ዝግባእ ዝብል ስምዒት ዝነበሮም ቅቡኣት ክርስትያናት ብርቱዕ ስቓይ ኣምጽኣሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ፈተናታቶም ከኣ ምስ ‘ተሳዕሩ’: ኣብ ሰነ 1918 ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ በጽሐ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቶም ቀንዲ ኣብ መዝነት ዝነበሩን ካልኦት ወከልቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ብጌጋ ተኣስሩ: እቲ ክርስትያን ኣሕዋቶም ዝገብርዎ ዝነበሩ እተመሓደረ ስብከት ከኣ ኣጸቢቑ ተሰናኸለ። እቲ ኣራዊት ‘ኣብ ልዕሊ ኵላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ምልኪ’ ስለ ዘለዎ ንዕዮ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ጸቕጢ ገበረሉ።

23. (ሀ) እቲ ናይቲ “ገንሸል ጥቕላል ህይወት” እንታይ ኢዩ: ካብ 1918 ጀሚሩኸ እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧ (ለ) እታ እትርአ ማሕበር ሰይጣን ኣብቶም “ቅዱሳት” ዘርኣየቶ ስዕረት ከንቱ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

23 እዚ ናይ ሰይጣንን ማሕበሩን ዓወት መሲሉ ተራእየ። እንተዀነ ግን: እዚ ነባሪ ጥቕሚ ኣየምጽኣሎምን ኢዩ: ምኽንያቱ ዝዀነ ይኹን ኣባል ናይታ እትርአ ማሕበር ሰይጣን ስሙ ‘ኣብቲ ናይቲ ገንሸል ጥቕላል ህይወት’ እተጻሕፈ የልቦን። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: እዚ ጥቕላል እዚ ስም ናይቶም ምስ የሱስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ ዝገዝኡ ዝሕዘ ኢዩ። ናይ መጀመርታ ስም ብጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ተመዝገበ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ መመሊሱ ተወሰኾ። ካብ 1918 ኣትሒዙ ምሕታም ናይቶም ተረፍ 144,000 ወረስቲ ናይታ መንግስቲ እናመልአ ኸደ። ብቕልጡፍ ናይ ኵሎም ስም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል ጥቕላል ህይወት ከም ዘይድምሰስ ኰይኑ ክጽሓፍ ኢዩ። እቶም ነቲ ኣራዊት ዝሰግዱ ተጻረርቲ ግን: ሓደ እኳ ስሙ ኣብቲ ጥቕላል እቲ ኣይክጽሓፍን ኢዩ። ስለዚ እዚኣቶም ነቶም “ቅዱሳት” ዝሰዓርዎም እኳ እንተመሰለ: ከንቱን ግዝያውን ስዕረት ኢዩ።

24. ዮሃንስ ነቶም ንምስማዕ ዘስተውዕሉ እንታይ ጻውዒት ኢዩ ዝገብር: እቲ እተሰምዐ ቃላትከ ንህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ፧

24 ሕጂ ዮሃንስ “ሰብ: እዝኒ ደኣ እንተ አልያቶስ: ይስማዕ” ብምባል ነቶም ዘስተውዕሉ ጽን ኢሎም ብጥንቃቐ ክስምዑ ይዕድሞም። ቀጺሉ ኸኣ ከምዚ ይብል:- “ዚማርኽ እንተሎ: ተማሪኹ ይኸይድ: ብሰይፊ ዚቐትል እንተሎ: ንሱ ብሰይፊ ኪቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ።” (ራእይ 13:9, 10) ኤርምያስ ኣብቲ ቅድሚ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ዓመታት: እቲ የሆዋ ኣብታ ዘይእምንቲ የሩሳሌም ዘውርዶ ፍርዲ ንድሕሪት ከም ዘይመልሶ ንምርኣይ: ነዘን ቃላት እዚአን ዝመስላ ጸሓፈ። (ኤርምያስ 15:2፣ ከምኡውን ኤርምያስ 43:11፣ ዘካርያስ 11:9 ርአ።) የሱስ ኣብቲ ብርቱዕ ፈተና ዝፍተነሉ ዝነበረ ግዜ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም” ምባሉ ሰዓብቱ ክለማመጡ ከም ዘይብሎም ግልጺ ገበሮ። (ማቴዎስ 26:52) ብተመሳሳሊ: ሎሚውን ኣብ መዓልቲ ጐይታ: ህዝቢ ኣምላኽ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዖም ክሕዙ ይግብኦም። እቶም ነቲ ኣራዊት ዘምልኹ ዘይናስሑ ሰባት: ኣብ መወዳእታ ዘምልጡሉ ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ። ኵላትና ካብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መስጐግትን ፈተናን ምእንቲ ክንድሕን ምጽማምን ነቕ ዘይትብል እምነትን የድልየና።—እብራውያን 10:36-39፣ 11:6

ክልተ ቐርኒ ዘሎዎ ኣራዊት

25. (ሀ) ዮሃንስ ካልእ ኣብ ዓለም እተራእየ ምሳልያዊ ኣራዊት ዝገለጸ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ናይቲ ሓድሽ ኣራዊት ክልተ ቐርኒ እንታይ የመልክት: ካብ ምድሪ ምውጽኡኸ እንታይ የመልክት፧

25 እንተዀነ ግን: ሕጂ ኸኣ ካልእ ኣራዊት ኣብ ዓለም ይርአ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ይህብ:- “ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒውን አለዎ። ከም ገበል ከኣ እዩ ዚዛረብ። አብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳመይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቝስሊ ሞቱ ዝሐወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሰግዱሉ ይገብሮም። ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ: ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር።” (ራእይ 13:11-13) እዚ ኣራዊት እዚ ሕብረት ናይ ክልተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዘመልክት ክልተ ቐርኒ ኣለዎ። ካብ ባሕሪ ዘይኰነስ ካብ ምድሪ ክወጽእ ከኣ ኢዩ እተራእየ። በዚ ኸምዚ: ካብቲ ድሮ ቘይሙ ዘሎ ምድራዊ ኣገባብ ሰይጣን ኢዩ ዝመጽእ። እዚ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ትርጕም ዘሎዎ ግደ ዝህልዎ: ድሮ ዝነበረ ሓይሊ ዓለም ክኸውን ኣለዎ።

26. (ሀ) እቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት እንታይ ኢዩ: ምስቲ ቐዳማይ ኣራዊትከ ብኸመይ ኢዩ ዝዛመድ፧ (ለ) እቲ ቐርኒ ናይቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ናይ ገንሸል ዝመስል በየናይ መገዲ ኢዩ: ከም “ገበል” ዝዛረብከ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ (ሐ) ሃገራዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ብሓቂ ዘምልኽዎ ዘለዉ እንታይ ኢዩ: ሃገራዊ ስምዒትከ ምስ እንታይ ኢዩ ተተሓሒዙ ዘሎ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

26 እዚ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧ እዚ ልክዕ ከምቲ ሻውዓይ ርእሲ ናይቲ ቐዳማይ ኣራዊት: ናይ ኣንግሎ-ኣመሪካ ሓይሊ ዓለም ኰይኑ ኣብ ፍልይ ዝበለ ዕዮ ከሎ ዘርኢ ኢዩ! ኣብቲ ትርኢት ከም እተፈልየ ኣራዊት ምቕራቡ: ኣብ መድረኽ ዓለም ከመይ ገይሩ ንበይኑ ከም ዝዓዪ ዝያዳ ብግልጺ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። እዚ ምሳልያዊ ኽልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ብኽልተ ኣብ ሓደ እዋን ዝነብሩ: ነናቶም ሓርነት ዘሎዎም: እንተዀነ ግን ዝተሓባበሩ ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝቖመ ኢዩ። እቲ “ናይ ገንሸል ዚመስል” ክልተ ቐርኑ: ንዅሉ ዓለም ዝጠዊ ስልጡን ኣመሓዳድራ ብምግባር ንገዛእ ርእሱ ልኡምን ዘይጓዳእን ከም ዘምስል ይሕብር። እንተዀነ ግን ‘ከም ገበል ኢዩ ዚዛረብ:’ እዚ ማለት ከኣ እቲ ኣገዛዝኡ ተቐባልነት ኣብ ዘይረኽበሉ ዘበለ ጸቐጢ: ምፍርራሕ: ዓመጻውን ከይተረፈ ይጥቀም። ኣብ ትሕቲ እታ በቲ ገንሸል ኣምላኽ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ ተገዛኢ ንምዃን ዘይኰነስ: ንጥቕሚ እቲ ዓቢ ገበል ሰይጣን ኢዩ ዘተባብዕ። ንኣምልኾ ናይቲ ቐዳማይ ኣራዊት ዘዕቢ ሃገራዊ ምክፍፋልን ጽልእን ኢዩ ዘሰስን። c

27. (ሀ) እቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት: ሓዊ ካብ ሰማይ ምውራዱ እንታይ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) ነዚ ዘመናዊ ብጻይ ናይቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ሰባት ብኸመይ ይርእይዎ፧

27 እዚ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት እዚ: ሓዊ ካብ ሰማይ ብምውራድ እውን ከይተረፈ: ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። (ምስ ማቴዎስ 7:21-23 ኣረኣእዮ።) እዚ ትእምርቲ እዚ: ንኤልያስ እቲ ምስ ነብያት በዓል እተኸራኸረ ናይ ጥንቲ ነብዪ ኣምላኽ የዘክረና። ብስም የሆዋ ሓዊ ካብ ሰማይ ክወርድ ምስ ተማህለለ: ብዘይጥርጥር ንሱ ናይ ሓቂ ነብዪ ከም ዝነበረ እቶም ነብያት በዓል ከኣ ሓሰውቲ ከም ዝነበሩ ኣረጋገጸ። (1 ነገስት 18:21-40) ከምቶም ነብያት በዓል እቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት: ከም ነብዪ መጠን እኹል መረጋገጺ ዘሎዎ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖ። (ራእይ 13:14, 15፣ 19:20) ሓይልታት እከይ ኣብ ክልተ ውግኣት ዓለም ከም ዘጥፍአ: ሕጂ ኸኣ ኣንጻር እቲ ኣምላኽ የብሉን ዝብሃል ኮሙኒዝም ከም እተዓወተ ይዛረብ! ብዙሓት ነዚ ዘመናዊ መመሳስልቲ ናይቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ከም ሓላዊ ሓርነትን ምንጪ ናይ ጽቡቕ ንዋታዊ ነገራትን ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።

ምስሊ እቲ ኣራዊት

28. እቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ከምቲ እተን ናይ ገንሸል ዝመስላ ቀርኑ ዘመልክትኦ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ዮሃንስ ብኸመይ ኣርኣየ፧

28 እዚ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት እዚ: ከምቲ እተን ናይ ገንሸል ዝመስላ ቀርኑ ዘመለክትኦ ቅኑዕዶ ኢዩ፧ ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን: ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሐወየ ኣራዊት: ምስሊ ኺገብርሉ እናበለ: በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት: ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም አሎ። ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን: ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተዋህቦ።”—ራእይ 13:14, 15

29. (ሀ) ዕላማ ምስሊ እቲ ኣራዊት እንታይ ኢዩ: እዚ ምስሊ እዚ ዝቘመኸ መዓስ ኢዩ፧ (ለ) ምስሊ እቲ ኣራዊት ህይወት ዘይብሉ ምስሊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

29 እዚ “ምስሊ እቲ ኣራዊት” እንታይ ኢዩ: ዕላምኡኸ እንታይ ኢዩ፧ ዕላምኡ ናይቲ ንሱ ምስሉ ዝዀነ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ኣምልኾ ምስፋሕ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ህላወ ናይቲ ኣራዊት ከም ዝቕጽል ምግባር ኢዩ። እዚ ምስሊ እዚ እቲ ሸውዓተ ዝርእሱ ኣራዊት ካብቲ ብሴፍ ዝቘሰሎ ምስ ሓወየ: ማለት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአ ዝቖመ ኢዩ። እዚ ከምቲ ነቡካድነጻር ኣብ ጐልጐል ዱራ ዝገበሮ ህይወት ዘይብሉ ሓወልቲ ኣይኰነን። (ዳንኤል 3:1) እቲ ምስሊ ህያው ምእንቲ ክኸውንን ኣብ ናይ ዓለም ታሪኽ ግደ ክህልዎን: እቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ትንፋስ ህይወት ሃቦ።

30, 31. (ሀ) ናይ ታሪኽ መርትዖታት እዚ ምስሊ እዚ መን ከም ዝዀነ እንታይ ኢሉ ይገልጾ፧ (ለ) ነዚ ምስሊ እዚ ምምላኽ ኣብዩ እተቐትለ ኣሎዶ፧ ግለጽ።

30 ታሪኻዊ መፈጸምታ እዚ ምስሊ እዚ እቲ መጀመርታ እተኣሳሰራ መንግስታት ተባሂሉ እተጸውዐ: ብዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እተሓስበን እተሰረተን እተደገፈን ማሕበር የመልክት። ጸኒሑ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ከም ሓደ ንበይኑ ዝህሉ ህያው ቀይሕ ኣራዊት ብምዃን: እተፈልየ ምልክት ሒዙ ክቐርብ ኢዩ። እዚ ኣህጉራዊ ኣካል እዚ ‘ይዛረብ’ ኢዩ: እዚ ኸኣ ንወድሰብ ሰላምን ድሕንነትን ዘምጽእ ንሱ ጥራይ ከም ዝዀነ ብትዕቢት ይዛረብ ማለት ኢዩ። ብሓቂ ግን: እተን ኣባላቱ ዝዀና ሃገራት ናይ ወቐሳ መደረን ጸርፍን ዝለዋወጣሉ መጋባኣያ ኢዩ ኰይኑ። ንስልጣኑ ዘይሰገደት ዝዀነት ትኹን ሃገር ወይ ህዝቢ ብምግላል: ወይ ከኣ ብህይወቶም ከለዉ ብምቕታል የፈራርሕ። እተኣሳሰራ መንግስታት ነቲ ናቱ ስነ-ሓሳብ ዘይቅበላ ሃገራት ኣባላት ካብ ምዃን ኣባሪሩ ኢዩ። እቲ ዓቢ ጸበባ ክጅምር ከሎ: ወተሃደራዊ ‘ቀርኒ’ ናይዚ ምስሊ እቲ ኣራዊት መዕነዊ ግደ ክህልዎ ኢዩ።—ራእይ 7:14፣ 17:8, 16

31 ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ እቲ ሕጂ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተገሊጹ ዘሎ ምስሊ እቲ ኣራዊት ቃል ብቓሉ ቀቲሉ ኢዩ። ንኣብነት: ብ1950 ሓይልታት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ እተገብረ ውግእ ተኻፈሉ። ሓይልታት ሕቡራት ሃገራት ምስቶም ናይ ደቡብ ኮርያ ሓይልታት ኰይኖም ብግምት 1,420,000 ሰሜን ኮርያውያንን ቻይናውያንን ቀተሉ። ብተመሳሳሊ ካብ 1960 ክሳዕ 1964: ሰራዊት ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኮንጎ (ኪንሻሳ) ንጡፋት ነይሮም ኢዮም። ብተወሳኺ ናይ ዓለም መራሕቲ: ንጳጳስ ጳውሎስ ሻድሻይን ንጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይን ሓዊስካ: እዚ ምስሊ እዚ ንሰብ እቲ ዝበለጸ ተስፋ ናይ ሰላም ኢዩ ኢሎም ምርግጋጽ ቀጺሎም ኢዮም። ወድሰብ ናቱ ተገዛኢ ምዃን እንተድኣ ሰኒፉ: ዓሌት ወድሰብ ገዛእ ርእሱ ከጥፍእ ኢዩ ይብሉ። በዚ ኸምዚ ብምሳልያዊ መገዲ ነቶም ምስቲ ምስሊ ምስምማዕን ንዕኡ ምምላኽን ዝኣብዩ ኵሎም ሰባት ከም ዝቕተሉ ይገብሩ።—ዘዳግም 5:8, 9

ማሕተም ናይቲ ኣራዊት

32. ሰይጣን ነቶም ዝተረፉ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣምላኽ ንምስቓይ ንፖለቲካውያን ክፍልታት ናይዛ እትርአ ማሕበሩ ከም ዝጠዋውዮም ዮሃንስ ብኸመይ ይገልጾ፧

32 ሕጂ ዮሃንስ ሰይጣን ንፖለቲካዊ ክፍልታት ናይታ እትርአ ማሕበሩ ንተረፍ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣምላኽ ዝለዓለ ስቅያት ምእንቲ ከምጽኡ ከመይ ገይሩ ከም ዝጠዋውዮም ይርኢ። (ዘፍጥረት 3:15) ነቲ “ኣራዊት” ናብ ምግላጽ ይምለስ: ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ንዅላቶም ከኣ: ነቶም ናእሽቱን ዓበይትን: ንሃብታማትን ድኻታትን: ንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር አሎ። ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉ: ኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። ጥበብ ኣብዚ ኢያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቝጽሪ ሰብ እዩ እሞ: ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።”—ራእይ 13:16-18

33. (ሀ) እቲ ኣራዊት መን ኢዩ ስሙ፧ (ለ) ቍጽሪ ሽዱሽተ ምስ እንታይ እተተሓሓዘ ኢዩ፧ ግለጽ።

33 እቲ ኣራዊት ስም ኣለዎ: እዚ ስም እዚ ኸኣ ቍጽሪ ኢዩ: እቲ ቝጽሪ ኸኣ 666 ኢዩ። ቍጽሪ ሽዱሽተ ምስ ጸላእቲ የሆዋ እተተሓሓዘ ኢዩ። ሓደ ፍልስጢኤማዊ በዓል ራፋ “ነዊሕ ሰብኣይ:” ‘ኣብ ኢደ እግሩ ሸሽዱሽተ ኣጻብዕ ነበሮ።’ (1 ዜና መዋእል 20:6) ንጉስ ነቡካድነጻር ነቶም ናይ ፖለቲካ መኳንንቱ ኣብ ሓደ ኣምልኾ ንምሕባር: 60 እመት ዝቝመቱ 6 እመት ዝውርዱ ምስሊ ወርቂ ገበረ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ምስሊ ወርቂ ምስጋድ ምስ ኣበዩ: ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ከም ዝድርበዩ ገበረ። (ዳንኤል 3:1-23) ቍጽሪ ሽዱሽተ ካብቲ ብናይ ኣምላኽ ኣመለኻኽታ ንምልኣት እተመልክት ቍጽሪ ሸውዓተ ዝነኣሰ ኢዩ። ስለዚ ሰለስተ ግዜ ሽዱሽተ ከቢድ ዘይፍጽምና የመልክት።

34. (ሀ) ቍጽሪ ናይቲ ኣራዊት “ብቝጸሪ ሰብ” ምዃኑ እንታይ የመልክት፧ (ለ) 666 ንናይ ሰይጣን ዓለም ፖሊቲካዊ ኣገባብ ዝበቅዕ ስም ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

34 ስም ንሓደ ሰብ መለለዪኡ ኢዩ። ስለዚ እዚ ቝጽሪ እዚ ነቲ ኣራዊት መለለዪኡ ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ ዮሃንስ እቲ ቝጽሪ ናይ መንፈሳዊ ኣካል ዘይኰነስ “ብቝጽሪ ሰብ እዩ” ኢሉ ኣሎ: ስለዚ ስም እቲ ኣራዊት ንሰብኣዊ ምምሕዳር ዘመልክት ምድራዊ ከም ዝዀነ ንምርግጋጽ ይጠቅም። ልክዕ ከምቲ 6 ካብ ሸውዓተ ጐዶሎ ዝዀነ: 666—ሰለስተ ግዜ እተደጋገመ ሽዱሽተ— ኸኣ: ነቲ ንፍጽምና ዝምልከት መለክዒታት ኣምላኽ ማዕረ ክኸውን ፈጺሙ ዘይክእል: ግዙፍ ዓለማዊ ፖለቲካዊ ኣገባብ ስሙ ክኸውን ብቝዕ ኢዩ። እዚ ናይ ዓለም ፖለቲካዊ ኣራዊት ከኣ 666 ዝበሃል ናይ ኣሃዝ ስም ሒዙ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ይገዝእ ኣሎ፣ ፍሉጥ ፖለቲካን ዓቢ ሃይማኖትን ዓቢ ንግድን ከኣ እቲ ኣራዊት ከም ጨቋኒ ወድሰብን ከም ሰጓጊ ህዝቢ ኣምላኽን ኰይኑ ምዕያይ ክቕጽል ይድግፍዎ።

35. ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ኣብ ግምባርካ ወይ ኣብ ኢድካ ምግባር እንታይ ማለት ኢዩ፧

35 ኣብ ግምባር ወይ ኣብ የማናይ ኢድ ማሕተም ናይቲ ኣራዊት ምግባር እንታይ ማለት ኢዩ፧ የሆዋ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ክህቦም ከሎ ከምዚ በሎም:- “እምበኣር ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ: ንምልክት ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ: ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ክታብ ይኹን።” (ዘዳግም 11:18) እዚ ኸኣ ደቂ እስራኤል ኵሉ ተግባራቶምን ሓሳቦምን በቲ ሕጊ ምእንቲ ክጽሎ: ብዘይምቍራጽ ኣብ ቅድሚኦም ክገብርዎ ነበሮም። እቶም 144,000 ቅቡኣት ስም ኣቦን ስም የሱስን ኣብ ግምባሮም ከም እተጻሕፎም ኢዩ ዝንገር። እዚ ኸኣ ናይ የሆዋን ናይ የሱስ ክርስቶስን ከም ዝዀኑ መለለዪኦም ኢዩ። (ራእይ 14:1) ነዚ ብምቕዳሕ ሰይጣን ጋኔናዊ ማሕተም ናይቲ ኣራዊት ይጥቀም። ዝዀነ ሰብ ኣብ ከም ምዕዳግን ምሻጥን ዝበለ መዓልታዊ ንጥፈታቱ አረ በዓላት ኣብ ምኽባር እውን ከይተረፈ ከምቲ እቲ ኣራዊት ዝደልዮ ገይሩ ክገብር ክግደድ ኢዩ። ማሕተሙ ምእንቲ ክረኽቡ: ህይወቶም ክገዝኣ ብምፍቃድ ነቲ ኣራዊት ክሰግድሉ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ።

36. እቶም ንማሕተም እቲ ኣራዊት ምቕባል ዝኣበዩ ሰባት እንታይ ጸገማት ረኸቡ፧

36 እቶም ንማሕተም እቲ ኣራዊት ምቕባል ዝኣበዩ ዘየቋርጽ ጸገማት ነይርዎም ኢዩ። ንኣብነት: ካብ 1930ታት ጀሚርካ ናይ ቤት ፍርዲ መጐተታት ክገብሩ: ሃሳዪ እምባጋሮን ካልእ መስጐግትታትን ክጽመሙ ነበሮም። ኣብተን ብውልቀ-መለኽቲ ዝመሓደር ሃገራት ከኣ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ኣተዉ: ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ሞቱ። ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ሓያለይ መንእሰያት ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ምልምማጥ ብምእባዮም: ንነዊሕ ግዜ ብምእሳርን ንገሊኦም ከኣ ብማህሰይትን ብመቕተልትን ከይተረፈ ኣሳቕዮሞም ኢዮም። ኣብ ካልእ ሃገራት ከኣ ክርስትያናት ቃል ብቓሉ ክዕድጉ ወይ ክሸጡ ኣይክእሉን ኢዮም፣ ገሊኦም ንብረት ከጥርዩ ኣይክእሉን፣ ካልኦት ተገሲሶም፣ ተቐቲሎም: ወይ ካብቲ እተወልድሉ ሃገር ተባሪሮም ኢዮም። ስለምንታይ፧ ብሰናይ ሕልና ተላዒሎም ናይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ካርድ ምዕዳግ ስለ ዝኣበዩ። dዮሃንስ 17:16

37, 38. (ሀ) ነቶም ማሕተም ናይቲ ኣራዊት ምቕባል ዝኣበዩ ሰባት ዓለም ንኽነብሩላ ኣሸጋሪት እትዀኖም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) መን ኢዮም እቶም ንጽህንኦም ዝሕልዉ ዘለዉ: እንታይ ንምግባርከ ኢዮም ቈራጽነት ዝወስዱ፧

37 ኣብ ገለ ከባቢታት ናይ ምድሪ ሃይማኖት ኣብቲ ናብራ ማሕበረሰብ ኣዝዩ ዝሰረተ ብምዃኑ: ብወገን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ጸኒዑ ዝቐውም ዝዀነ ይኹን ሰብ ብስድራቤትን ብናይ ቀደም ኣዕሩኽን ይግለል። ንምጽማም ዓቢ እምነት ይሓትት። (ማቴዎስ 10:36-38፣ 17:22) ኣብዛ መብዛሕትኦም ንዋታዊ ሃብቲ ዘምልኹ ሰባት ዝነብሩላ: ዘይቅንዕና ድማ ኣስፋሕፊሑላ ዘሎ ዓለም: ሓቀኛ ክርስትያን ቅኑዕ ንኽገብር ምእንቲ ክጸንዕ ብዘይምውልዋል ኣብ የሆዋ ክውከል ኣለዎ። (መዝሙር 11:7፣ እብራውያን 13:18) ኣብዛ ብዘይስነ-ምግባራውነት ተጎቢኣ ዘላ ዓለም: ንጹህን ጽፉፍን ክትከውን ቆራጽ ውሳነ የድሊ። ዝሓመሙ ክርስትያናት ብሓካይምን ብኣለይቲ ሕሙማትን ንቕድስና ደም ዝምልከት ሕጊ ኣምላኽ ንኽጥሕሱ መብዛሕትኡ ግዜ ጸቕጢ ይግበረሎም፣ ምስ እምነቶም ዝጋጮ ኣብ ቤት ፍርዲ እተዋህበ ውሳነውን ከይተረፈ ይቃወምዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ 1 ጴጥሮስ 4:3, 4) ከምኡውን ኣብዚ ስራሕ ኣልቦነት እናወሰኸ ዝኸደሉ ዘሎ ግዜ: ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎዎ ንጽህና ከየበላሸወ ክሰርሓሉ ዝኽእል ስራሕ ምርካብ ኣጸቢቑ እናኸበደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።—ሚክያስ 4:3, 5

38 እወ: እቶም ማሕተም ናይቲ ኣራዊት ዘይብሎም ሰባት ኣብዛ ዓለም ክነብሩ ኣሸጋሪ ኢዩ። እቶም ዝተረፉ ዘርኢ እታ ሰበይትን እቶም ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ንላዕሊ ዝዀኑ ኣባላት ናይቲ ዓቢ ጭፍራን: ሕጊ ኣምላኽ ንኸፍርሱ እዚ ዅሉ ጸቕጢ እናተገብረሎም ንጽህንኦም ምሕላዎም: ሓለፍ ዝበለ መርኣያ ናይ ሓይሊ የሆዋ ኢዩ። (ራእይ 7:9) ኣብ ብዘላ ምድሪ ሓቢርና ንማሕተም እቲ ኣራዊት ምቕባል ክንኣቢ ከሎና: ኣብ ብዘላ ምድሪ ንየሆዋን ነቲ ጻድቕ መገድታቱን ክብ ምባልና ንቐጽል።—መዝሙር 34:1-3

[እግረ-ጽሑፋት]

a ዝያዳ ዝርዝር ንኽትረክብ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 165-79 በጃኻ ርአ።

b ዘ ኢንተርፕረተሽን ኦቭ ሰይንት ጆንስ ረቬለሽን (እንግሊዝኛ) ብኣር. ሲ. ኤች. ለንስኪ እተዳለወ ገጽ 390-1

c ወሃብቲ ርእይቶ: ሰባት ሃገራዊ ስምዒት ንርእሱ ሃይማኖት ከም ዝዀነ ገሊጾም ኢዮም። ስለዚ ሃገራዊ ስምዒት ዘሎዎም ሰባት ብሓቂ ነቲ በቲ ዝነብርሉ ሃገር እተወከለ ክፍሊ ናይቲ ኣራዊት ኢዮም ዘምልኹ ዘለዉ። ብዛዕባ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ሃገራዊ ስምዒት ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ሃገራዊ ስምዒት ከም ሃይማኖት ክርአ ኸሎ: ምስቲ ስርዓት ናይተን ቀደም ዝነበራ ዓበይቲ ሃይማኖታት ብዙሕ ናይ ሓባር ነገር ኣሎዎ . . . እቲ ዘመናዊ ናይ ሃገራዊ ስምዒት ሃይማኖተኛ: ትጽቢቱ ኣብቲ ሃገራዊ ኣምላኹ ከም ዝዀነ የስተውዕል ኢዩ። እቲ ብርቱዕ ሓገዙ ከም ዘድልዩ ይርዳእ። ናይ ገዛእ ርእሱ ፍጽምናን ሓጐሱን ምንጪ ንሱ ከም ዝዀነ ኣፍልጦ ይህበሉ። ብሃይማኖታዊ መገዲ ክርአ ከሎ ንርእሱ ኣብ ትሕቲኡ የግዝኣ። . . . ሃገር ንሓዋሩ ነባሪት ገይርካ ኢያ እትርአ: ሞት ናይቶም እሙናት ደቃ ኸኣ ነቲ ነባሪ ተፈላጥነታን ክብራን ይውስኸሉ።”—ካርልቶን ጀይ. ኤፍ. ሀይዝ ዝበሎ ኣብ ገጽ 359 ናይታ ብጀይ. ፖውል ዊልያምስ እተጻሕፈት ዎት ኣመሪካንስ ብሊቭ ኤንድ ሃው ዘይ ዎርሺፕ (እንግሊዝኛ) እተባህለት መጽሓፍ።

d ንኣብነት ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ናይ እንግሊዝኛ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ርአ:- ኣብ ገጽ 520 ናይታ ብ1 መስከረም 1971 ዝወጸት፣ ኣብ ገጽ 373 ናይታ ብ15 ሰነ 1974 ዝወጸት፣ ኣብ ገጽ 341 ናይታ ብ1 ሰነ 1975 ዝወጸት፣ ኣብ ገጽ 23 ናይታ ብ1 ለካቲት 1979 ዝወጸት፣ ኣብ ገጽ 20 ናይታ ብ1 ሰነ 1979 ዝወጸት፣ ኣብ ገጽ 10 ናይታ ብ15 ግንቦት 1980 ዝወጸት።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 195 ዘሎ ስእሊ]

ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ክህብ ተዋህቦ