ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ መዓልቲ ጐይታ

ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ መዓልቲ ጐይታ

ምዕራፍ 18

ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ መዓልቲ ጐይታ

1, 2. (ሀ) ምድሪ ብሓይሊ ከንቀጥቅጥ ከሎ ምስማዕ እንታይ ይመስል፧ (ለ) እቲ ሻድሻይ ማሕተም ምስ ተፈትሐ ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧

 ምድሪ ብሓይሊ ከንቀጥቅጥ ከሎ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ባህ ዘብል ተመክሮ ኣይኰነን። ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብምንዋጽን ዘደንቁር ድምጽን ይጅምር ይኸውን። ክትሕብኣሉ ናብ እትኽእል ቦታ: ምናልባት ኣብ ትሕቲ ጣውላ ክትከይድ ከሎኻ: እቲ ምንናው ጅምር ግድፍ እንዳበለ ክብርትዕ ይኽእል ይኸውን። ወይ ድማ እቲ ምንቅጥቃጥ ብሃንደበት ሃደሽደሽ የብል እሞ ኣቝሑ ገዛ ሓሸምሸም ክብል: ህንጻታትውን ከይተረፈ ክፈርስ ይርአ። እቲ ጕድኣት ቀዛፊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ስዒቡ ዝመጽእ ፍዅስ ዝበለ ምንቅጥቃጥ ስለ ዝደጋገም ከኣ ተወሳኺ ጉድኣት ብምምጻእ ነቲ ሽግር የጋድዶ።

2 ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ናብቲ ዮሃንስ እቲ ሻድሻይ ማሕተም ክፍታሕ ከሎ ዘቕረቦ ጸብጻብ ንርአ:- “ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ: ርኤኹ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ።” (ራእይ 6:12ሀ) እዚ ምስቲ ካልእ ማሕተማት እተፈትሓሉ ግዜ ብሓደ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣበየናይ እዋን ናይ መዓልቲ ጐይታ ኢዩ እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዚ ዝኸውን: እንታይ ዓይነት ምንቅጥቃጥከ ኢዩ፧—ራእይ 1:10

3. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ምልክት ህላዌኡ ክንበ ኸሎ እንታይ ከም ዝኸውን ኢዩ እተዛረበ፧ (ለ) ከመይ ኢሉ ኢዩ እቲ ቃል ብቓሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስቲ ኣብ ራእይ 6:12 ዘሎ ምሳልያዊ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ርክብ ክህልዎ ዝኽእል፧

3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቃል ብቓሉን ምሳልያውን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዙሕ ግዜ ኢዩ ተዘሪቡ ዘሎ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ኣብ ስልጣን መንግስቲ ምህላዉ ዝሃቦ ምልክት ናይቲ ዓቢ ትንቢቱ ‘ኣብ በቦትኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ’ ከም ዝኸውን ተዛረበ። እዚ ዅሉ ክፍሊ ናይቲ “መጀመርታ ቕልውላው” ኢዩ። ካብ 1914 ኣትሒዙ: ህዝቢ ዓለም ብኣሽሓት ሚልዮናት እናበዝሐ ክኸይድ ከሎ: ቃል ብቓሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ: ነቲ ጭንቀት ናይዚ ግዜና መሊሱ ወሲኹሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:3, 7, 8) መፈጸምታ ትንቢት እኳ እንተዀኑ: እዞም ምንቅጥቃጥ ምድሪ እዚኣቶም ባህርያዊ ዕንወት ኢዮም። ፈለምቲ ናይቲ ኣብ ራእይ 6:12 ተጠቒሱ ዘሎ ዓቢ ምሳልያዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድማ ኢዮም። እዚ ኸኣ ከም ኣዕናዊ መጨረሽታ ናይቲ ተኸታቲሉ ዝስዕብ ምንቕናቓት ኰይኑ ብምምጻእ: ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ናይ ሰይጣን ሰብኣዊ ኣገባብ ካብ መሰረቱ ራዕራዕ ዘብል ኢዩ። a

ምንቕናቕ ኣብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ

4. (ሀ) ካብ መዓስ ኣትሒዞም ኢዮም ህዝቢ የሆዋ ብ1914 ቀዛፊ ፍጻመታት ክወርድ ከም ዝጅምር ኣቐዲሞም ዝኣወጁ፧ (ለ) 1914 መወዳእታ ናይ ኣየናይ ግዜ ከም ዝዀነት ኢያ እተመልክት፧

4 ኣብ መፋርቕ 1870ታት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ 1914 ቀዛፊ ፍጻመታት ክጅምር ከም ዝዀነ: መወዳእታ ናይ ዘበናት ኣህዛብ ከኣ ከም ዘመልክት ተዛረቡ። እዚ ኸኣ: ካብቲ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ንግስና መስመር ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ዘቋረጸሉ ክሳዕ እቲ ብ1914 የሱስ ኣብ ሰማያዊት የሩሳሌም ዝነግስ ዘሎ ናይ “ሾብዓተ ግዜያት” (2,520 ዓመታት) እዋን ኢዩ።—ዳንኤል 4:24, 25፣ ሉቃስ 21:24 b

5. (ሀ) ሲ. ቲ. ራስል ብ2 ጥቅምቲ 1914 እንታይ ምልክታ ኢዩ ዝገበረ፧ (ለ) ካብ 1914 ጀሚሩ ከመይ ዝበለ ፖለቲካዊ ናዕብታት ኢዩ እተፈጸመ፧

5 ስለዚ ድማ ሲ. ቲ. ራስል: ኣብ ብጊሓት ናይ 2 ጥቅምቲ 1914 ምስቶም ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ዝነበሩ ስድራ ቤትኤል ናይ ንግሆ ኣምልኾ ክገብር ከሎ: ነዚ ዝስዕብ ማራኺ ነገር ገለጸሎም:- “ዘበናት ኣህዛብ ተወዲኡ፣ ነገስታቶም ድማ ዝኣክል ግዜ ተዋሂብዎም ኢዩ።” ብሓቂ ድማ እቲ ብ1914 ኣብ ብዘላ ዓለም ዝጀመረ ናዕቢ ዓቢ ስለ ዝነበረ ሓያለይ ናይ ነዊሕ ዘበናት ናይ ንግስነት ዘርኢ ዝነበሮም ጠፊኦም ኢዮም። ናይ ዛር ዘርኢ ንግስነት ብናይ ቦልሸቪክ ሰውራ ብ1917 ስለ ዝወደቐ: ናብቲ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ናይ ማርክሲዝምን ካፒታሊዝምን ዘይምቅዳው ኣምርሐ። ፖለቲካዊ ለውጥታት ዘምጽኦ ምንቕናቓት: ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዝርከብ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ይርብሾ ኣሎ። ሎሚ ብዙሓት ምምሕዳራት ካብ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ምቕጻል ስኢነን ኣለዋ። ኣብ ናይ ፖለቲካ ዓለም ርግኣት ከም ዘየለ ብናይ ኢጣልያ ኵነታት ክርአ ይኽእል: ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ውሽጢ 42 ዓመታት: 47 ምምሕዳራት ለዊጣ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ኣቐዲሙ ዝኸውን ምንቕናቓት ከኣ: ናይ ዝለዓለ ምምሕዳራዊ ናዕቢ ፈላሚ ጥራይ ኢዩ። ፍሪኡኸ እንታይ ኢዩ ዝኸውን፧ መንግስቲ ኣምላኽ ንበይና ናይ ዓለም ግዝኣት ክትሕዞ ኢያ።—ኢሳይያስ 9:6, 7

6. (ሀ) ኤች. ጂ. ወልስ ነቲ ሓድሽን ኣገዳስን መዋእል ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ፧ (ለ) ሓደ ፈላስፋን ሓደ ፖሊቲከኛን ብዛዕባ እቲ ካብ 1914 ኣትሒዙ ዝጀመረ መዋእል እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝጸሓፉ፧

6 ጸሓፍቲ ታሪኽ: ፈላስፋታት: ከምኡውን ፖለቲካውያን መራሕቲ 1914 ጀማሪት ናይ ሓደ ሓድሽን ኣገዳስን መዋእል ከም ዝዀነት ኣመልከቱ። ኣብቲ መዋእል እቲ ዓሰርተ ሾውዓተ ዓመት ጸኒሑ ድማ: ኤች. ጂ. ወልስ እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ በለ:- “ነብዪ ብዛዕባ ባህ ዘብል ነገራት ክንበ ምፈተወ። ግቡኡ ግን ነቲ ዝረኣዮ ምንጋር ጥራይ ኢዩ። እታ ንሱ ዝርእያ ዓለም ከኣ ገና ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቍጽጽር ናይ ወተሃደራትን ሓርበኛታትን መሕረጥትን ብገንዘብ ዝጻፍዑን እትርከብ ኢያ: ኣብ ምጥርጣርን ጽልእን ዝወደቐት: እታ ዝተረፈት ናይ ብሕቲ ሓርነት ኣዝያ ቐልጢፋ እትገፍፍ: ኣብ መሪር ናይ መደብ ግርጭት ጠምበርበር እትብልን ንሓደስቲ ውግኣት እትዳሎ ዘላን ኢያ።” ብ1953 ድማ በርትራንድ ራስል እተባህለ ፈላስፋ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብ 1914 ኣትሒዙ ኵሎም እቶም ኣንፈት ናይ ዓለም ዘስተብህሉ: በቲ መመሊሱ እናዓበየ ዝኸይድ መዓት ኣቢሉ ንኽግስግስ ጽሕፍቶን ኣቐዲምካ ምውሳንን ዘለዎ ዝመስል ኵነታት ኣጸቢቖም ኢዮም ዝሽገሩ። . . . ንዓሌት ደቅሰብ ከኣ ከምቲ ኣብ ናይ ግሪኽ ዘሕዝን መወዳእታ ዘለዎ ተዋስኦ ብእተቖጥዑ ኣማልኽቲ ናብ ጥፍኣት ዝምራሕ ናይ ጽሕፍቶ ወናኒ ካብ ምዃን ዘቋረጸ ጅግና ገይሮም ይርእይዎ።” ብ1980 ሃሮልድ ማክሚላን እተባህለ ፖለቲከኛ ብዛዕባ እቲ ሰላማዊ ኣጀማምራ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኵሉ እናተመሓየሸ ክኸይድ ኢዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብታ ኣነ እተወለድኩላ ዓለም ዝነበረ ሓሳብ ኢዩ። . . . ብሃንደበት ከይተጸበናዮ ድማ ኣብ ሓደ ብጊሓት ናይ 1914 ኵሉ ኣቋረጸ።”

7-9. (ሀ) ካብ 1914 ኣትሒዙ ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ እንታይ ናዕብታት ኢዩ ዘናወጾ፧ (ለ) እቲ ኣብ ህላወ የሱስ ዝርአ ናይ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ናዕቢ ጸኒሑ እንታይ ኣብ መንጎ ደቅሰብ ዝርአ ኵነታት ኢዩ ዘጠቓልል፧

7 ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ኻልእ ናይ ናዕቢ ማዕበል ሒዙ መጸ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርአ ዘሎ ንኣሽቱ ውግኣትን ግብረ-ሽበራን ንምድሪ የናውጻ ኣሎ። እቲ ዘስግእ ራዕዲ ግብረ-ሽበራ ወይ ሃገራት ዚውንናኦ ብጅምላ ኼጥፍእ ዚኽእል ኣዕናዊ ኣጽዋር ንብዙሓት ሰባት የተሓሳስቦም ኣሎ።

8 ካብ 1914 ኣትሒዙ ብዘይካ ውግእ ካልኦት ነገራትውን ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ካብቲ መሰረቱ ኣናዊጾሞ ኢዮም። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘሰንብድ ናዕብታት ከኣ ብ29 ጥቅምቲ 1929 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኣክስዮን ዕዳጋ ምስ ወደቐ እተወልዐ ኢዩ። እዚ ኸኣ እቲ ንዅለን ካፒታሊስት ሃገራት ዝተንከፈ ዓቢ ክሳራ ኣስዓበ። እቲ ናይ ሽዑ ክሳራ ባይታ ዝዘበጠ ኣብ መንጎ 1932-1934 ኢዩ: ይኹን እምበር ናቱ ሳዕቤን ክሳብ ሕጂ ኣሎ። ካብ 1929 ኣትሒዛ ብቝጠባ ዝሓመመት ዓለም ብናይ መጻንሒ ብልሓታት እናኣላጋገብካ ኢያ ትኸይድ ዘላ። መንግስታት ኣብ ናይ ገንዘብ ክሳራ ኣተዋ። እቲ ብ1973 ዝነበረ ናይ ነዳዲ ቅልውላው: ከምኡውን እቲ ብ1987 እተራእየ ናይ ኣክስዮን ዕዳጋ ኣብ ዕዳ ምእታው: ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ገንዘብ ሃጸይ ምንዋጻት ወሲኹሉ ኢዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት መብዛሕትኡ ብልቓሕ ይዕድጉ ኣለዉ። ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ኣደዳ ናይ ገንዘብ ረክላማት: ኵምራ ብልሓታት ከምኡውን ሎተርን ካልእ ሽጣራታት ናይ ምጥላዕን ኰይኖም ኣለዉ: እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ በቶም ንህዝቦም ክከላኸሉሎም ዝግብኦም መንግስታት ዝድገፍ ኢዩ። እቶም ናይ ህዝበ-ክርስትያን ብተሌቪዥን ዝሰብኩ እውን ከይተረፈ ነቲ ናይ ሚልዮናት ዶላር ብጽሒቶም ንኽረኽቡ ኢዶም ይዝርግሑ ኢዮም!—ምስ ኤርምያስ 5:26-31 ኣረኣእዮ

9 ኣቐድም ኣቢሉ ቁጠባዊ ጸገማት: ሙሶሊንን ሂትለርን ኣብ ስልጣን ከም ዝድይቡ ገይሩ ኢዩ። ዓባይ ባቢሎን ከኣ ስምረቶም ንኽትረክብ ክትጸጋግዖም ግዜ ኣይወሰደላን: ከምኡውን ቫቲካን ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ብ1929: ምስ መንግስቲ ጀርመን ድማ ብ1933 ውዕል ተፈራረመት። (ራእይ 17:5) እቲ ዝሰዓበ ሕማቕ እዋናት ድማ ብርግጽ ክፍሊ መፈጸምታ ናይቲ የሱስ ብዛዕባ ህላዌኡ ክንበ ከሎ “ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን . . . ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ። . . . ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ” ዝበሎ ኢዩ። (ሉቃስ 21:7-9, 25-31) c እወ: እቲ ብ1914 ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ከናውጾ ዝጀመረ ምንቅጥቃጥ: ብብርቱዕ ዝዀነ ጸጸኒሑ ዝስዕብ ምንቅጥቃጣት ይቕጽል ኣሎ።

የሆዋ ገለ ምንዋጽ ይገብር

10. (ሀ) ኣብ ናይ ደቅሰብ ጕዳያት ብዙሕ ምንቕናቓት ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ እንታይ ይገብር ኣሎ: እንታይ ንምድላውከ ኢዩ ከምኡ ዝገብር፧

10 ኣብ ናይ ደቅሰብ ጕዳያት ከምዚ ዝበለ ምንቕናቓት ዝርአ: ፍረ ናይቲ ሰብ ስጓሜኡ ከቕንዕ ዘይምኽኣሉ ኢዩ። (ኤርምያስ 10:23) ብዘይዚ ድማ እቲ “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” ናይ ጥንቲ ተመን: ሰይጣን: ንደቅሰብ ካብ ኣምልኾ የሆዋ ከርሕቖም ወዮታት ብምምጻእ ናይ መጨረሽታ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ። ኣብዚ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ንምድሪ ሓደ ከባቢ ከም እትኸውን ገይሩ ኣጐራቢትዋ ዘሎ እዋን: ንሰብኣዊ ማሕበረሰብ ሃገራውን ዓሌታውን ጽልኢ ካብ ሱሩ የናውጾ ኣሎ: እታ ሕቡራት ሃገራት እትብሃል ከኣ ዘሕዊ መድሃኒት ክትረክብ ኣይከኣለትን። ከም ሎሚ ገይሩ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣት ዝገዝኣሉ ግዜ ተራእዩ ኣይፈልጥን። (ራእይ 12:9, 12 መክብብ 8:9) ይኹን እምበር: እቲ ሰማይን ምድርን ዝደኰነ: ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ነቲ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ጸገማት ሓንሳእን ንሓዋሩን ምእንቲ ከጣጥኦ ንምድላው: ኣብዘን ዝሓለፋ ዳርጋ 90 ዓመታት ናይ ርእሱ ዓይነት ምንዋጽ ገይሩ ኢዩ። ብኸመይ፧

11. (ሀ) ኣብ ሃጌ 2:6, 7 እንታይ ምንቕናቕ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ (ለ) ትንቢት ሃጌ ዝፍጸም ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧

11 ኣብ ትንቢት ሃጌ ምዕራፍ 2:6, 7 ከምዚ ነንብብ:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል አሎ፤ ገና ሓደ ጊዜ: ብሓጺር ጊዜ ኪኸውን እዩ: ኣነ ንሰማይን ምድርን ባሕርን ንቑጽን ከነቓንቕ እየ። ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” የሆዋ: ብፍላይ ካብ 1919 መሰኻኽሩ ኣብ ብዛላ ምድሪ ንዘለዉ ደቅሰብ ብሓበራ ፍርድታቱ ከም ዝእውጁ ገበረ። ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ድማ እዚ ዓለምለኻዊ መጠንቀቕታ እዚ ኺንገራ ጸኒሑ ኢዩ። d እቲ መጠንቀቕታ እናበዝሐ ብዝኸደሉ መጠን ከኣ: እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት: እቶም “ክቡር ነገር” ካብ ኣህዛብ ክፍለዩ ተለዓዒሎም ኢዮም። በቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ማሕበር ዝፍጸም ምንቅጥቃጥ ኣይኰኑን ዝናወጹ። የግዳስ ነቲ ኵነታት ተረዲኦም: ምስቶም ቅቡኣት ክፍሊ ዮሃንስ ሓቢሮም ነታ ናይ ኣምልኾ ቤት የሆዋ ብኽብሪ ምእንቲ ክመልእዋ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ ይገብሩ። እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ዝግበር፧ በቲ ብቕንኢ ዝዕየ ምስባኽ ብስራት ናይታ ቆይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ ዝፍጸም። (ማቴዎስ 24:14) እዛ ብየሱስን በቶም ቅቡኣት ስዓብቱን ዝቖመት መንግስቲ: ንሓዋሩ “ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ” ዀይና ንኽብሪ የሆዋ ክትጸንዕ ኢያ።—እብራውያን 12:26–29

12. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ተጠቒሱ ዘሎ ስብከት ምላሽ ክትህበሉ እንተድኣ ጀሚርካ: እቲ ኣብ ራእይ 6:12 ዘሎ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከይመጸ ኸሎ እንታይ ክትገብር ኢዩ ዝግብኣካ፧

12 ሓደ ካብቶም ነዚ ስብከት እዚ ምላሽ ክህቡ ዝጀመሩ ዲኻ፧ ምናልባት ሓደ ካብቶም ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ እተሳተፉ ሚልዮናት ሰባትዶ ትኸውን፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ኣብቲ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሮ መጽናዕቲ እናወሰኽካ ኪድ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15፣ 3:16, 17) ነዚ ብልሹው ኣነባብራ ናይዚ ንጥፍኣት እተመጠወ ናይ ሰይጣን ምድራዊ ሕብረተሰብ ፈጺምካ ግደፎ! ተቐላጢፍካ ናብታ ክርስትያናዊት ማሕበር ሓዳስ ዓለም እቶ: ከምኡውን እቲ ናይ መጨረሽታ ኣዕናዊ ‘ምንቅጥቃጥ ምድሪ’ ንናይ ሰይጣን ዓለም ከይዳዕሞኾ ኸሎ: ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ንጥፈታታ ተኻፈል። እቲ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እቲኸ እንታይ ኰን ኢዩ፧ እስከ ቀጺልና ንርአ።

እቲ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ!

13. እቲ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንደቅሰብ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ተመክሮ ዝዀኖም ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

13 እወ: እዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት: ቃል ብቓሉን ብምሳልያዊ መገድን: እዋን ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኢየን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ዋላ ሓደ ካብዞም ምንቅጥቃጥ እዚኣቶም ግን ዮሃንስ እቲ ሻድሻይ ማሕተም ክፍታሕ ከሎ ዝረኣዮ ናይ መጨረሽታ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ኣይኰነን። ግዜ ናይቲ ተኸታቲሉ ዝስዕብ ምንቕናቓት ኣብቂዑ ኢዩ። ሕጂ እቲ ኣብ ናይ ሰባት ተመክሮ ፈጺሙ ሓድሽ ዝዀነ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኢዩ ዝመጽእ። ብርቱዕ ምቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ምዃኑ እተላዕለ እቲ ዘስዕቦ ናዕብን ምግልብባጥን ብናይ ሬክተር ስከይል ወይ ብዝዀነ ይኹን ናይ ሰባት መዐቀኒ ኣይዕቀንን ኢዩ። እዚ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ዝኸውን ምንዋጽ ዘይኰነስ: ንብዘላ “ምድሪ” ማለት ንብምሉኡ እዚ ጽዩቕ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝድምስስ ናይ መዓት ምንዋጽ ኢዩ።

14. (ሀ) ብዛዕባ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ሳዕቤኑን እተነበየ ኣየናይ ትንቢት ኢዩ፧ (ለ) ትንቢት ዮኤል ከምኡውን ራእይ 6:12, 13 እንታይ ኢየን ከመልክታ ዘለወን፧

14 ካልኦት ነብያት የሆዋ እውን ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ምንቅጥቃጥ ምድርን ዘስዕቦ ዕንወትን ኣቐዲሞም ተዛሪቦም ኢዮም። ንኣብነት ብ820 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ: ዮኤል ብዛዕባ ምምጻእ ናይታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ክዛረብ ከሎ ‘ጸሓይ ኣብ ጸልማት: ወርሒ ድማ ኣብ ደም ክትልወጥ’ ኢያ በለ። ጸኒሑ ድማ “ጭፍራ: ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ። ጸሓይን ወርሕን ይጽልማ: ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሐብኡ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም: ድምጹ ኻብ የሩሳሌም የስምዕ: ሰማይን ምድርን ከኣ የንቀጥቅጥ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቈቢ: ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ እዩ።” (ዮኤል 2:31፣ 3:14-16) እዚ ምንቅጥቃጥ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ግዜ ዓቢ ጸበባ ዝፍጸም ፍርዲ የሆዋ ጥራይ ኢዩ ከመልክት ዝኽእል። (ማቴዎስ 24:21) ስለዚ እቲ ኣብ ራእይ 6:12, 13 ዘሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ሓደ ዓይነት ኣወዓዕላ ክህልዎስ ርዱእ ኢዩ።—ኤርምያስ 10:10፣ ጸፎንያስ 1:14, 15 እውን ተመልከት።

15. ነብዪ ኣንባቆም ብዛዕባ እንታይ ዓቢ ምንዋጽ ኢዩ እተነበየ፧

15 ገለ 200 ዓመት ድሕሪ ዮኤል ድማ: ነብዪ ኣንባቆም ከምዚ ኢሉ ናብ ኣምላኹ ጸለየ:- “ዎ እግዚኣብሄር: እቲ ዘስማዕካኒ ሰማዕኩ ፈራህኩውን። ዎ እግዚኣብሄር: ንዕዮኻ ኣብ ማእከል ዓመታት ህያው ግበሮ: ኣብ ማእከል ዓመታት ኣፍልጦ: ብቝጥዓ ኸኣ ምሕረት ዘክር።” እዚ ‘ቝጥዓ’ እዚኸ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኣንባቆም ነቲ ዓቢ ጸበባ ብሩህ ዝዀነ መግለጺ ምሃብ ይቕጽል: ብዛዕባ የሆዋ ኸኣ “ደው በለ: ንምድሪውን ለክዓ [“ኣናወጻ:” NW]: ጠመተ: ነህዛብ ከኣ ኣንቀጥቀጦም: . . . ንምድሪ ብዅራ ሐለፍካያ: ነህዛብ ብቝጥዓ ኣኼድካዮም። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል: ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ።” (ኣንባቆም 3:1, 2, 6, 12, 18) የሆዋ ነህዛብ ክረግጾም ከሎስ ኣየ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ ምንዋጽ ኢዩ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዝኸውን!

16. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዝገብሮ ናይ መጨረሽታ መጥቃዕቲ ነብዪ ህዝቅኤል እንታይ ኢሉ ኢዩ እተነበየ፧ (ለ) ካብቲ ኣብ ራእይ 6:12 ተጠቒሱ ዘሎ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እንታይ ክስዕብ ኢዩ፧

16 ህዝቅኤልውን ጎግ ናይ ማጎግ (እቲ እተዋረደ ሰይጣን) ንመጨረሽታ ግዜ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ምስ ተሃንደደ: የሆዋ “ኣብ ሃገር እስራኤል ዓቢ ምንቅጥቃጥ” ከውርድ ምዃኑ ተነበየ። (ህዝቅኤል 38:18, 19) ቃል ብቓሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጠቓልል እኳ ክኸውን ዝኽእል እንተዀነ: መጽሓፍ ራእይ ብምልክታት ቀሪቡ ከም ዘሎ ክንዝክር ይግብኣና። እዚ ትንቢት እዝን እቲ ኻልእ ተጠቒሱ ዘሎ ትንቢታትን ኣዝዮም ምሳልያውያን ኢዮም። ስለዚ ምኽፋት ናይቲ ሻድሻይ ማሕተም ነቲ ንዅሉ ምንዋጻት ናይዚ ምድራዊ ኣገባብ እዚ ኣብ መወዳእታ ዘብጽሕ ዝዓበየ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝገልጽ ኢዩ: በዚ ኸኣ ኵሎም ኣንጻር ሉዓላውነት የሆዋ ኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት ክጠፍኡ ኢዮም።

ግዜ ጸልማት

17. እቲ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ዝትንክፍ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

17 ዮሃንስ ቀጺሉ ከም ዝገልጾ: እቲ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ንሰማያት እውን ከይተረፈ ዝትንክፍ ዘፍርህ ፍጻመታት ዘሰንዮ ከም ዝዀነ ይርኢ። ከምዚ ይብል:- “ጸሓይ ከም ወጮ ጸለመት: ወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት። ኦም በለስ: ብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ: ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ: ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ።” (ራእይ 6:12ለ, 13) ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ፍጻሜ ኢዩ! እቲ ትንቢት ቃል ብቓሉ ዝፍጸም እንተ ዝኸውን: እቲ ክስዕብ ዝኽእል ዘፍርህ ጸልማት ክትግምቶ ትኽእልዶ፧ ብመዓልቲ እቲ ምዉቕን ባህ ዘብልን ብርሃን ጸሓይ ኣይምተረኽበን! ብለይቲውን እታ ልምድቲ ቆሎ እትመስል ወርሒ ኣይምሃለወትን! ከምኡውን እቶም ኣእላፍ ዝዀኑ ከዋኽብቲ ኣብቲ ክፈይ ዝመስል ሰማይ ኣይመብለጭለጩን! ኣብ ክንድኡ ግን ዛሕልን ድቕድቕ ጸልማትን ምዀነ ነይሩ።—ምስ ማቴዎስ 24:29 ኣረኣእዮ።

18. ንየሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ‘ሰማያት ዝጸልመታ’ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

18 ብመንፈሳዊ መገዲ: ከምዚ ዝበለ ጸልማት ንጥንታዊት እስራኤል ብትንቢት ተነጊሩላ ነይሩ ኢዩ። ኤርምያስ ከምዚ ኢሉ ኣጠንቀቐ:- “ኵላ እታ ሃገር ክትባድም እያ: ግናኸ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ። . . . ብሰሪ እዚ ምድሪ ኽትሐዝን: ሰማያትውን ኣብ ላዕሊ ኺጽልምት እዩ።” (ኤርምያስ 4:27, 28) ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ትንቢት ምስ ተፈጸመ: ንህዝቢ የሆዋ ኵሉ ነገራት ብሓቂ ጸልማት ኰኖም። የሩሳሌም እታ ርእሲ ኸተማኦም ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ወደቐት። ቤት መቕደሶም ዓነወት: ሃገሮምውን ጥራያ ተረፈት። ዘጸናንዖም ብርሃን ካብ ሰማይ ኣይነበረን። የግዳስ ከምቲ ኤርምያስ ብጓሂ ንየሆዋ ዝበሎ ዀነ:- “ብዅራ ተጐልበብካን ሰጐጕካናን: ብዘይ ምሕረት ቀተልካ። ጸሎት ከይሐልፍሲ: ደበና ተጐልበብካ።” (ድጕዓ ኤርምያስ 3:43, 44) እቲ ሰማያዊ ጸልማት እቲ: ንየሩሳሌም ሞትን ጥፍኣትን ማለት ኢዩ ነይሩ።

19. (ሀ) እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝዀነ ኢሳይያስ ምስ ጥንታዊት ባቢሎን ብምትሕሓዝ ብዛዕባ ናይ ሰማያት ምጽልማት ዝገለጸ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ (ለ) ትንቢት ኢሳይያስ እተፈጸመ መዓስን ብኸመይን ኢዩ፧

19 ጸኒሑ ድማ ተመሳሳሊ ናይ ሰማይ ምጽልማት: ጥፍኣት ጥንታዊት ባበሎን ኣመልከተ። ብዛዕባ እዚ እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ብመንፈስ ተመሪሑ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እንሃ: መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ: ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶም: ብቝጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ አላ። ከዋኽብቲ ሰማይን እቶም በብጋንታኦም ዘለዉ ኸዋኽብትን ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም: ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት እያ: ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ። ንዓለም ስለ ኽፍኣታ: ንረሲኣን ድማ ስለ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እየ።” (ኢሳይያስ 13:9-11) እዚ ትንቢት እዚ ባቢሎን ኣብ ኢድ ሜዶንን ፋርስን ምስ ወደቐት ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ተፈጸመ። እዚ ባቢሎን ካብቲ ከም ቀንዲ ሓይሊ ዓለም መጠን ዝነበራ ቦታ ንዘለኣለም ምስ ወደቐት ዝነበረ ጸልማትን ተስፋ ምቝራጽን ዘጸናንዕ ብርሃን ምስኣንን ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ ኢዩ።

20. እቲ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኰነ እንታይ ዘፍርሕ ውጽኢት ኢዩ ነዚ ኣገባብ እዚ ዝጽበዮ ዘሎ፧

20 ብተመሳሳሊ መገዲ: እቲ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኰነ: እዚ ጠቕላላ ናይ ዓለም ኣገባብ እዚ ብተስፋ ዘይብሉ ድቕድቕ ጸልማት ክወሓጥ ኢዩ። እቲ ናይ ሰይጣን ምድራዊ ኣገባብ ዝዀነ ድሙቕን ዘንጸባርቕን ብርሃናት: ፈጺሙ ናይ ተስፋ ጩራ ኣይክህብን ኢዩ። ሎሚ ናይ ምድሪ ፖለቲካውያን መራሕቲ ብሕልፊ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ብብልሽውንኦምን ብሓሶቶምን በቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ኣነባብርኦምን ፍሉጣት ኢዮም። (ኢሳይያስ 28:14-19) ድሕሪ ደጊም ትውክልቲ ክግበሮምውን ኣይከኣልን ኢዩ። የሆዋ ፍርዱ ክፍጽም ከሎ ኸኣ እታ ጭልምልም እትብል ብርሃኖም ፈጺማ ክትጠፍእ ኢያ። እቲ ኣብ ጉዳያት ምድሪ ዘለዎም ከም ብርሃን ወርሒ ዝመስል ጽልዋ: ደማውን ሞት ዘስዕብን ምዃኑ ክቃላዕ ኢዩ። እቶም ዝበለጹ ዓለማውያን ኸዋኽብቶም ከም ተፈንጪሉ ዝወድቕ ሜትዮራይት ብርሃኖም ክጠፍእን ከምቲ ህቦብላ ክህሉ ኸሎ ዝረግፍ ጕዕ በለስ ክበታተኑን ኢዮም። ምድርና ድማ ብምልእታ በቲ “መከራ [“ዓቢ ጸበባ:” NW] . . . ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን” ከተንቀጥቅጥ ኢያ። (ማቴዎስ 24:21) ኣየ ከመይ ዝበለ ዘፍርሕ መጻኢ ኰን ኢዩ!

“ሰማይኣግለሰ

21. ዮሃንስ ኣብቲ ትርኢት ብዛዕባ ‘ሰማይን’ “ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን” እንታይ ኢዩ ዝርኢ፧

21 ናይ ዮሃንስ ትርኢት ይቕጽል:- “ሰማይውን ከም ዚጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዐዙ።” (ራእይ 6:14) እዚኣቶም ቃል ብቓሉ ሰማያት ወይ ኣኽራንን ደሴታትን ከም ዘይኰኑ ግሁድ ኢዩ። እንታይ ድኣ ኢዮም ዘመልክቱ፧

22. ኣብ ኤዶም ከመይ ዝበለ “ሰማያት” ኢዩ ከም ‘ብራና እተጠቕለለ’፧

22 እቲ ቝጥዓ የሆዋ ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ ዝገልጽ ተመሳሳሊ ትንቢት ከኣ ብዛዕባ “ሰማይ” ንኽንርዳእ ይሕግዘና:- “ኵሉ ሰራዊት ሰማይ ይጠፍእ: ሰማያት ከኣ ከም ብራና ይጥቕለል።” (ኢሳይያስ 34:4) ብሕልፊ ድማ ኤዶም ክትሳቐ ይግብኣ። ብኸመይ፧ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ምድምሳሶም ንኤዶምውን ወሪሮማ ኢዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ቃል ብቓሉ ኣብ ሰማያት ዝወረደ ፍሉይ ፍጻመታት ከም ዝነበረ እተመዝገበ ጸብጻብ የለን። ኣብቲ ናይ ኤዶም ‘ሰማያት’ ግን ጥፍኣት ተፈጺሙ ኢዩ። e እቲ ሰብኣዊ ናይ ምምሕዳር ስልጣኖም ካብቲ ዝለዓለ ሰማይ መሰል ዝዀነ ቦትኡ ተዋሪዱ ኢዩ። (ኢሳይያስ 34:5) ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ከም ሓደ ኣረጊት ንማንም ዘይጠቅም ‘ጠቕሊልካ’ እውን ኣብ ገለ ቦታ እትድርብዮ ብራና ዀይኖም ተደርበዩ።

23. እቲ ከም ‘ክታብ ዘግልስ’ ‘ሰማይ’ እንታይ ኢዩ: ናይ ጴጥሮስ ቃላትከ ነዚ ምርዳእ እዚ ዘረጋግጽ ብኸመይ ኢዩ፧

23 ስለዚ እቲ ከም ‘ክታብ ዘግልስ’ ‘ሰማይ’ ነተን ንምድሪ ዝገዝኣ ጸረ ኣምላኽውን ዝዀና መንግስታት የመልክት። እቲ ንዅሉ ዝስዕር ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ ነዞም መንግስታት እዚኣቶም ከልግሶም ኢዩ። (ራእይ 19:11-16, 19-21) እዚ ኸኣ በቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ብምፍታሕ ናይቲ ሻድሻይ ማሕተም ዝኸውን ፍጻመታት ብተስፋ ክጽበ ኸሎ ዝበሎ ተረጋጊጹ ኣሎ:- “ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቚሩ አሎ: ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ ኣሎ”። (2 ጴጥሮስ 3:7 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ “ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዐዙ” ዝብልከ ደኣ እንታይ ማለት ኢዩ፧

24. (ሀ) ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽራንን ደሴታትን ኣንቀጥቂጦም ወይ ተነቓኒቖም እተባህለ መዓስ ኢዩ፧ (ለ) ነነዌ ምስ ወደቐት ‘ኣኽራን እተናወጸ’ ብኸመይ ኢዩ፧

24 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እዋን ዓቢ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኣኽራንን ደሴታትን ኣንቀጥቂጦም ይብል። ንኣብነት: ነብዪ ናሆም ብዛዕባ ፍርድታት የሆዋ ኣንጻር ነነዌ ክንበ ኸሎ ‘ኣኽራን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡ: ኵርባታት ከኣ ይመኩ: ምድሪ ኣብ ቅድሚኡ ትናወጽ’ በለ። (ናሆም 1:5) ብ632 ቅ.ኣ.ዘ. ነነዌ ምስ ተደምሰሰት ቃል ብቓሉ ኣኽራን ከም እተጨዱ ዝነግር መዝገብ የልቦን። እንተዀነ ግን: ሓንቲ ኣቐድም ኣቢላ ከም ከረን ትምሰል ዝነበረት ሓይሊ ዓለም: ሓይላ ብሃንደበት ኣቋረጸ።—ምስ ኤርምያስ 4:24 ኣረኣእዮ።

25. ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ “ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን” ካብ ስፍርኦም ዘልግሱ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧

25 ስለዚ ኸኣ ኣብ ምፍታሕ ናይቲ ሻድሻይ ማሕተም እተጠቕሱ “ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን” እቲ ንሓያለይ ሰባት ከም ጽኑዕ መሲሉ ዝርኣዮም ፖለቲካዊ ምምሕዳራትን ኣብ ትሕቲአን ዝርከባ ማሕበራት ናይዛ ዓለም እዚኣን ኢዮም ዘመልክቱ። ካብ ቦትአን ከልግሳ እየን: በዚ ኸኣ እቶም ኣብአን ትውክልቲ ገይሮም ዝነበሩ ክሰግኡን ክስምብዱን ኢዮም። እቲ ትንቢት ክቕጽል ከሎ ከም ዘርእዮ ድማ: እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋን ወዱን—ንዅሉ ናይ ሰይጣን ማሕበር እተልግስ መጨረሽታ ናይ ምንቅጥቃጥ—ሕነ ንምፍዳይ ትመጽእ ከም ዘላ ኣየተሓታትትን ኢዩ!

“ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና”

26. ንሉዓላውነት ኣምላኽ ዝጻረሩ ሰባት ብራዕዲ እንታይ ክገብሩ ኢዮም: ብፍርሆምከ እንታይ ክብሉ ኢዮም፧

26 ናይ ዮሃንስ ቃላት ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ነገስታት ምድርን መሳፍንትን ሓላቑ ኣሻሓትን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ ጐደጕድን ኣብ በዓትታት ኣኽራንን ተሐብኡ። ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና: በልዎም። እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓኦም መጺአ እያ እሞ: መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧”—ራእይ 6:15-17

27. እቶም ሰብ ሰማርያ ዝነበሩ ጠላማት እስራኤላውያን እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝጨደሩ: እተን ቃላት እቲኣተንከ ብኸመይ ኢየን እተፈጸማ፧

27 ሆሴእ ንሰማርያ: ርእሲ ኸተማ ናይታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ፍርዲ የሆዋ ክእውጀላ ኸሎ ከምዚ በለ:- “እቲ በረኽቲ ቦታ ኣዌን: ሓጢኣት እስራኤልውን: ይጠፍእ: ኣብ ልዕሊ መሰውኢኦም እሾዅን ተዀርባን ይበቍል። ንሳቶም ከኣ ነኽራን፤ ክደኑና: ንዅርባታት ድማ: ውደቑና: ይብልዎም።” (ሆሴእ 10:8) እዘን ቃላት እዚአን ብኸመይ ተፈጸማ፧ ሰማርያ ኣብ ኢድ እቶም ጨካናት ኣሶራውያን ብ740 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ወደቐት: እስራኤላውያን ዝሃድምሉ ቦታ ፈጺሞም ሰኣኑ። ቃላት ሆሴእ እቶም እተሳዕሩ ህዝቢ እተሰምዖም ናይ ተስፋ ምቝራጽ: ውርደት ዝመልኦ ራዕዲ: ከምኡውን ናይ እተደርበኻ ምዃን ስምዒታት ኢዩ ዝገልጽ። እቲ ኣብ ሰማርያ ዝነበረ ቃል ብቓሉ ኵርባታት ይኹን እቲ ከረን መሰል ትካላት ቅድም ነባሪ ዝመስል እኳ እንተነበረ: ክከላኸለሎም ኣይከኣለን።

28. (ሀ) የሱስ ንኣንስቲ የሩሳሌም እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበን፧ (ለ) ናይ የሱስ መጠንቀቕታ ብኸመይ ተፈጸመ፧

28 ብተመሳሰሊ የሱስ ወተሃደራት ሮሜ ንኽቕተል ሒዞምዎ እናኸዱ ኸለዉ ነተን ኣንስቲ የሩሳሌም ከምዚ በለን:- “ኣካ እዝጊ ሀባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትን: ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን  . . . ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑ: ንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ኪጅምሩ እዮም።” (ሉቃስ 23:29, 30) እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝፈጸምዎ ምድምሳስ ጽቡቕ ገይሩ እተመዝገበ ኢዩ: ናይ የሱስ ቃላት ከምቲ ናይ ሆሴእ ዝመሳሰል ትርጕም ከም ዘለዎ ኸኣ የረድእ። እቶም ኣብ ይሁዳ ዝተረፉ ኣይሁድ ዝሕብኡሉ ቦታ ፈጺሙ ኣይነበሮምን። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ክሕብኡ እኳ እንተ ፈተኑ ወይውን ኣብቲ በሪኽ ዕርድታት ማሳዳውን ከይተረፈ እንተ ሃደሙ ካብቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ፍርዲ የሆዋ ከምልጡ ኣይከኣሉን።

29. (ሀ) መዓልቲ ቍጥዓ የሆዋ ምስ መጸ: እቶም ነዚ ኣገባብ ዝድግፉ ኵነታቶም ከመይ ክኸውን ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ቍጥዕኡ ከውርድ ከሎ እንታይ ብየሱስ እተባህለ ትንቢት ኢዩ ዝፍጸም፧

29 ሕጂ ኸኣ: ምፍታሕ ናይቲ ሻድሻይ ማሕተም ኣብቲ ዝመጽእ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ተመሳሳሊ ነገር ክፍጸም ከም ዝዀነ የርኢ። እዚ ምድራዊ ኣገባብ እዚ ንመጨረሽታ ግዜ ክነቓነቕ ከሎ እቶም ደገፍቱ ኰይኖም ዝጸንሑ ብዓቕሊ ጽበት ዝሕብኡሉ ቦታ ክደልዩ ኢዮም ግን ኣይክረኽቡን ኢዮም። እታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ድሮ ብዘሕዝን መገዲ ጠንጢናቶም ኢያ። እቲ ቃል ብቓሉ ኣብ ኣኽራን ዝርከብ በዓትታት ይኹን እቲ ከረን መሰል ፖለቲካውን ንግዳውን ማሕበራትውን ይኹን: ፋይናንስያዊ ድሕንነት ኰነ ወይ ካልእ ዓይነት ደገፍ ኣይክገብረሎምን ኢዩ። ካብቲ ቝጥዓ የሆዋ ዘዕቍቦም ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። የሱስ “ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ: ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም” ብምባል ነቲ ራዕዶም ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—ማቴዎስ 24:30

30. (ሀ) እቲ “መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧” ዝብል ሕቶ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ እዋን ፍርዲ የሆዋ ደው ክብል ዝኽእል ኣሎዶ፧

30 እወ: እቶም ንስልጣን ናይቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተቐመጠ ዕዉት ፈረሰኛ ኣፍልጦ ምሃብ ዝኣበዩ ሰባት: ጌጋኦም ክኣምኑ ክግደዱ ኢዮም። እቶም ፈትዮም ክፍሊ ናይቲ ዘርኢ ተመን ዝዀኑ ሰባት ድማ: ናይ ሰይጣን ዓለም ክሓልፍ ከሎ ጥፍኣት ከጋጥሞም ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15፣ 1 ዮሃንስ 2:17) ኣብቲ እዋን እቲ ኵነታት ዓለም ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስለ ዝኸውን ብዙሓት “መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧” ኢሎም ክሳዕ ዝሓቱ ክኸውን ኢዩ። በታ የሆዋ ፍርዱ ዘውርደላ መዓልቲ ሓደ እኳ ስምረቱ ረኺቡ ደው ክብል ዝኽእል የልቦን ኢሎም ክሓስቡ ኢዮም። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ራእይ ቀጺሉ ከም ዘመልክቶ ተጋግዮም ኢዮም ዘለዉ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ቃል ብቓሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቀቅድሚ ምዃኑ መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ መለክዒ ጥራይ ክዕቀን ዝኽእል ሒደት ምንቕናቕ ይኸውን: እዚ ኸኣ ዋላ’ኳ ሰባት ክሳዕ እቲ ነገር ብሓቂ ዝፍጸም ዘይሰምዕዎ እንተዀኑ ነኽላባት ግን ከም ዝነብሑ ወይ ሕስይስይ ከም ዝብሉ: ካልኦት እንስሳታትን ዓሳታትን ከኣ ከም ዝለዓዓሉ ይገብሮም።—ኣብ ናይ 8 ነሓሰ 1982 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 14 ርአ።

b ዝርዝር መግለጺ ኣብ ገጽ 22, 24 ርአ።

c እተን ኣብ ሉቃስ 21:25, 28, 31 ዘለዋ ቃላት: ካብ 1895 ክሳዕ 1931 ን35 ዓመታት: ኣብ ገበር ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ርእሲ ስእሊ ናይታ ኣብ ዘንጠልጠለ ብርቱዕ ደበና ዘለዎ ሰማይን ማዕበል ዘለዎ ባሕርን እተብርህ ግምቢ: ተጠቒሰን ኢየን።

d ንኣብነት: ኣብ ሓደ ብ1931 እተገብረ ፍሉይ ወፈራ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ባዕላቶም ብኣሽሓት ዝቝጸር ቅዳሓት ናይታ እታ ናይ ዓለም ተስፋ ዝዀነት መንግስቲ (እንግሊዝኛ) እተባህለት ንእሽቶ መጽሓፍ ኣብ ብዘላ ዓለም ነቕሽሽትን ፖለቲካውያንን ነጋዶን ዓዲሎምዎም ኢዮም።

e ኣብ ኢሳይያስ 65:17, 18 ዘሎ ትንቢት ናይ “ሓድሽ ሰማይ” ተመሳሳሊ ኣጠቓቕማ ናይታ “ሰማይ” እትብል ቃል ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ናብታ ምድሪ ተስፋ ተመሊሶም ንምስሌነ ዘሩባቤልን ንሊቀ ኻህናት እያሱን ዘጣምር ሓድሽ ናይ ምምሕዳር ስርዓት ምስ መስረቱ ናይ መጀመርታ ፍጻሜኡ ረኸበ።—2 ዜና መዋእል 36:23፣ እዝራ 5:1, 2፣ ኢሳይያስ 44:28

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ሳጹን/​ኣብ ገጽ 105 ዘሎ ስእሊ]

1914 ኣቐዲሙ ተዘሪቡላ ኢዩ

“ብ606 ዓ.ዓ. መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቅዐ: ዘውዲ ተቐንጠጠ: ብዘላ ምድሪ ኸኣ ነህዛብ ተዋህበት። ካብ 606 ዓ.ዓ. ጀሚርካ ኸኣ እተን 2520 ዓመታት ኣብ 1914 ዓ.ም. ይውድኣ።” fዘ ስሪ ዎርልድስ (እንግሊዝኛ) ብ1877 እተሓትመ ገጽ 83

“ዘበናት ኣህዛብ ኣብ 606 ዓ.ዓ. ጀሚሩ ኣብ 1914 ዓ.ም. ዝውዳእ ናይ 2520 ዓመታት ግዜ ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹርን ሓያልን መርትዖ ኣለዎ።”—ብሲ. ቲ. ራስል እተጻሕፈ: ብ1889 ድማ እተሓትመ መጽናዕቲ ቅዱሳት ጽሑፋት (እንግሊዝኛ) ካልኣይ ጥራዝ ገጽ 79።

ቻርለስ ቴዝ ራስልን እቶም ብጾቱ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሞም 1914 ናይ ዘበናት ኣህዛብ ወይ ምዱብ ዘበናት ኣህዛብ መወዳእታ እተመልክት ዓመት ከም ዝዀነት ፈለጡ። (ሉቃስ 21:24) እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ኣብቲ ፈለማ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይፈለጥዎ: 1914 ኣብ ናይ ዓለም ታሪኽ ኣገዳሲት ዕለት ከም እትኸውን ግን ተኣማሚኖም ኢዮም ነይሮም: ኣይተጋገዩን ድማ። ነዚ ስዒቡ ዘሎ ካብ ጋዜጣ እተጠቕሰ ኣስተብህለሉ:-

“እቲ ኣብ ኣውሮጳ እተላዕለ ዘሰንብድ ውግእ: ፍጻመ ናይ ሓደ ፍሉይ ዝዀነ ትንቢት ኢዩ ነይሩ። በዚ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለ-ዘበን ድማ እቶም ‘ኣህጉራውያን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ’ ወይ ድማ ብዝያዳ ከም ‘ናይ ሽሓዊ ወጋሕታ ሰባት’ ተባሂሎም ዝፍለጡ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት እተነግረሉ መዓልቲ ቝጥዓ ብ1914 ክጅምር ከም ዝዀነ ንብዘላ ዓለም ብሰበኽትን ጽሑፋትን ኣውጆምላ ኢዮም። እቶም ብኣማእታት ዝቝጸሩ ገየሽቲ ወንጌላውያን ‘ን1914 ተጠንቀቑላ!’ እናበሉ ይጭድሩ ነይሮም።”—ዘ ዎርልድ (እንግሊዝኛ) እተባህለት ኣብ ኒው ዮርክ እትሕተም ጋዜጣ: ናይ 30 ነሓሰ 1914

[እግረ-ጽሑፍ]

f እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሞንጎ “ዓ.ዓ.” ከምኡውን “ዓ.ም.” ባዶ ዓመት ከም ዘየልቦ ኣየስውዓልዎን ነይሮም። ደሓር ግን ምምርማሮም ነቲ 606 ዓ.ዓ. ኣብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ክቕየር ከም ዘድሊ ምስ ተረድእዎ: እቲ ባዶ ዓመት ዝብልውን ተረፈ እሞ: እቲ ትንቢት ኣብ “1914 ዓ.ም.” ከም ዝውዕል ኰነ።—ነታ “ሓቂ ሓራ ኸተውጽአኩም እያ” (እንግሊዝኛ) እትበሃል ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1943 እተሓትመት መጽሓፍ ኣብ ገጽ 239 ርአ።

[ኣብ ገጽ 106 ዘሎ ሳጹን]

1914ነጥበ-መቐይሮ

ፖለቲከንስ ቨርዴንስሂስቶሪ—ሂስቶሪየንስ ማግት ኦግ ሜኒንግ (ታሪኽ ዓለም ፖሊቲከን—ሓይልን ትርጕም ታሪኽን) እተባህለ ብ1987 ኣብ ኮፐንሃገን እተሓትመ ጽሑፍ ኣብ ገጽ 40 እዚ ዝስዕብ ትዕዝብቲ ይገልጽ:-

“እቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ኣብ ምዕባለ ዝነበረ እምነት ብ1914 ኣቋረጸ። ቀቅድሚ እቲ ውግእ ምብርዑ ዝነበረ ዓመት ፒተር ማንች እተባህለ ወዲ ደንማርክ ጸሓፍ ታሪኽን ፖለቲከኛን ብተስፋ ከምዚ ኢሉ ጻሓፈ:- ‘ኵሉ እቲ ዝርአ ዘሎ ኵነታት ኣብ ሞንጎ እተን ዓበይቲ ናይ ኣውሮጳ ሓይልታት ውግእ ከም ዘይለዓል ኢዩ ዘመልክት። ከምቲ ካብ 1871 ኣትሒዙ በብግዜኡ ዝዀኖ ዘሎ “ናይ ውግእ ሓደጋ” ንመጻኢ እውን ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ።’

“ኣንጻር ናይዚ ኣብቲ ናይ ድሓር መዘከሪታቱ ከምዚ ዝብል ነንብብ:- ‘እቲ ብ1914 እተላዕለ ውግእ ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ሓደ ዓቢ ነጥበ-መቐይሮ ኢዩ። ካብቲ ዕዮኻ ብምጡን ዝዀነ ድሕንነት ክትፍጽመሉ እትኽእል ብሩህ እዋን ምዕብልና: ናብቲ ኣብ ኵሉ ቦታ ናይ ድሕንነት ስምዒት ዝጠፍኣሉ ናይ ዕንወት: ራዕዲ: ጽልኢ መዋእል ኣተና። እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ጸልማት ናይቲ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ኢሉ ኣብዚ ኣሽሓት ዓመታት ዝፈጠሮ ባህላዊ መዋቕር ነባሪ ጥፍኣት የምጽእ ኣየምጽእ ሽዑ ይኹን ሕጂ ክፈልጦ ዝኽእል የለን።’”

[ኣብ ገጽ 110 ዘሎ ስእሊ]

‘ብዘለዉ ኣኽራን ካብ ሰስፍራኦም ገዓዙ’

[ኣብ ገጽ 111 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ በዓትታት ተሓብኡ