ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ራእይ—እቲ ዘሐጕስ ፍጻሜኡ

ራእይ—እቲ ዘሐጕስ ፍጻሜኡ

ምዕራፍ 1

ራእይ—እቲ ዘሐጕስ ፍጻሜኡ

1. ኣምላኽ ሕጕሳት ክንከውን ከም ዝደልየና ብኸመይ ንፈልጥ፧

 እቲ ንዮሃንስ እተዋህበ ራእይ—እዛ ደስ እተብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ: ነቲ መለኮታዊ ጸብጻብ ናብቲ ዘሐጕስ ፍጻሜኡ ኢያ ተብጽሖ። ስለምንታይ ኢና “ዘሐጕስ” እንብል፧ እቲ ነቶም ዘፍቅርዎ ነዚ “ክቡር ብስራት” ሕድሪ ዝህቦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ደራሲ “ሕጕስ ኣምላኽ” ተባሂሉ ስለ እተገልጸ ኢዩ። ንሕናውን ሕጕሳት ክንከውን ኢዩ ዝደልየና። ስለዚ ድማ ኢያ መጽሓፍ ራእይ ኣብቲ መጀመርታ ‘እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብ ብጹእ ኢዩ’ ብምባል እተረጋግጸልና። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፋ ኸኣ: “እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዚሕሉ ኸኣ ብጹእ [“ሕጕስ:” NW] እዩ:” ተባሂሉልና ኣሎ።—1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW፣ ራእይ 1:3፣ 22:7

2. ካብ መጽሓፍ ራእይ ሓጐስ ምእንቲ ክንረክብ እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧

2 ካብ መጽሓፍ ራእይ ሓጐስ እንረክብ ብኸመይ ኢና፧ ናይቲ ሒዛቶ ዘላ ንጹር ምልክታት ወይ መለለይታት ትርጕም ብምድላይን ምስኡ ድማ ተሰማሚዕና ብምምልላስን ኢና ሓጐስ እንረክብ። ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ኣብ ልዕሊ እዚ ሎሚ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ፍርዶም ብምውራድ: በቲ “ድሕሪ ደጊም ሞት” እውን ከይተረፈ ‘ዘይኰነሉ’ “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን” ክትክእዎ ኸለዉ: እዚ ህውከት ዝመልኦ ታሪኽ ደቅሰብ ቀልጢፉ ኣብቲ ኣዕናዊ ፍጻሜኡ ክበጽሕ ኢዩ። (ራእይ 21:1, 4) ኵላትና ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት: ናይ ሓቂ ሰላምን ድሓንን ዘለዋ: ሓዳስ ዓለም ክንነብር ንደሊዶ ኸይኰንና፧ ነዚ ዘሐጕስ ትንቢት ናይ መጽሓፍ ራእይ እውን ሓዊስካ: ብቓል ኣምላኽ ገይርና እምነትና እንተድኣ ኣደልዲልና ክንነብር ንኽእል ኢና።

አፖካሊፕስእንታይ ማለት ኢዩ፧

3. ብዙሓት ሰባት: ኣፖካሊፕስ ከምኡውን ኣርማጌዶን እንታይ ከም ዝዀነ ኢዮም ዝሓስቡ፧

3 መጽሓፍ ራእይ: ኣፖካሊፕስ እውን ተባሂላ ትጽዋዕዶ ኸይኰነት፧ እወ: እታ “ራእይ” እትብል ቃል ካብታ ··΄·ፕሲ· እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ስለ እተተርጐመት ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ነታ ኣፖካሊፕስ እትብል ቃል ምስቲ ዓለም ብኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝግበር ውግእ እትጠፍኣሉ ግዜ ኢዮም ዘተሓሕዝዋ። ኣብታ ኑክሌራዊ ተተኰስቲ ብብዝሒ ዝስራሓላ ዝነበረ ኸተማ ቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ.: ዝነብሩ ሃይማኖታዊ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት: “እቶም ቀዳሞት ዝጠፍኡ ንሕና ኢና” ይብሉ ነበሩ። ኣብቲ ቦታ እቲ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲውን “ኣርማጌዶን ምምጻኣ ዘይተርፍ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣዝያ ቐሪባ ከም ዘላን እቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ሰናይን እከይን: ኣብ መንጎ ሓይልታት ኣምላኽን ሰይጣንን ዝህሉ ናይ መጨረሽታ ውግእ ከም ኑክሌራዊ ህልቂት ኰይኑ ክፍጸም ምዃኑ እምነት” ከም ዝነበሮም ጸብጻብ ተዋሂቡ ነይሩ። a

4. እታ “ኣፖካሊፕስ” እትብል ቃል ብሓቂ እንታይ ማለት ኢያ: እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስከ ብልክዕ “ራእይ” ተባሂላ እትጽዋዕ ስለምንታይ ኢያ፧

4 እንተዀነ ግን: ኣፖካሊፕስ ብሓቂ እንታይ ኢያ፧ ሽሕ’ኳ መዛግብቲ ቃላት: “ዘይተርፍ ናይ ዓለም ዕንወት” ዝብል ስያመታት ብምጥቃም ዝገልጽዋ እንተዀኑ: እታ ··΄·ፕሲ· እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ግን ብመሰረቱ “ምቕላዕ” ወይ “ምግላጽ” ማለት ኢያ። ስለዚ ኸኣ እዛ ናይ መወዳእታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ብልክዕ “ራእይ” ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ቀዛፊ መልእኽቲ ናይቲ ክኸውን ዘለዎ ጥፍኣት ዓለም ዝሓዘት ጥራይ ዘይኰነትስ: ምግላጽ ናይቲ ኣብ ልብና ተስፋ ብርሃን ዝሰርጽን ዘይትናወጽ እምነት ዝሃንጽን መለኮታዊ ሓቂውን ዝሓዘት ኢያ።

5. (ሀ) ኣብ ኣርማጌዶን ዝጠፍኡ መን ኢዮም: መንከ ክድሕኑ ኢዮም፧ (ለ) ነቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝድሕኑ ከመይ ዝበለ ዓቢ መጻኢ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧

5 ሓቂ ኢዩ: ኣብዛ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርማጌዶን “ዓባይ መዓልቲ [ውግእ] ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ። (ራእይ 16:14, 16) እንተዀነ ግን: ካብ ኑክሌራዊ ህልቂት ኣዝያ እተፈልየት ክትከውን ኢያ! ከምዚ ዝዓይነቱ ኑክሌራዊ ህልቂት ኣብ ምድሪ ንዘሎ ኵሉ ህይወት ዘጥፍእ ኢዩ ዝኸውን። ብኣንጻሩ ግን: ቃል ኣምላኽ: እቶም እኩያት ተጻረርቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ጥራይ: በቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣምላኽ ዘሎ ሓይሊ ክጠፍኡ ምዃኖም ብምግላጽ: ዘሐጕስ መረጋገጺ ይህብ ኢዩ። (መዝሙር 37:9, 10፣ 145:20) ካብ ኵሎም ህዝብታት እተኣከቡ ዓቢ ጭፍራ ናይ ሰባት: ካብቲ ኣብ ኣርማጌዶን ዝኸውን ፍጻሜ ናይ መለኮታዊ ፍርዲ ክድሕኑ ኢዮም። የሱስ ክርስቶስ ከኣ ነዚኣቶም ክጓስዮምን ኣብታ ገነታዊት ምድሪ ድማ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክመርሖምን ኢዩ። ሓደ ካባታቶም ክትከውን ኣይትደልንዶ ኢኻ፧ እቲ ዘሐጕስ: መጽሓፍ ራእይ ሓደ ካባታቶም ክትከውን ከም እትኽእል ተርኢ ኢያ!—ራእይ 7:9, 14, 17

ነቲ መለኮታዊ ምስጢራት ምድላይ

6. ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ኣየኖት መጽሓፍቲ ኢየን ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ራእይ ብርሃን ንምብራህ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ፧

6 ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣቐዲማ ብ1917 ነታ እተወድአ ምስጢር (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ሓተመት። እዚኣ: ነተን መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀና ትንቢት ህዝቅኤልን መጽሓፍ ራእይን ቍጽሪ ብቍጽሪ ሓሳባት እትህብ ኢያ። ጸኒሑ ኸኣ ኵነታት ዓለም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት እናኣግሃዶ ምስ ከደ: ክልተ ጥራዝ ዘለዋ ብርሃን (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ እዋናዊት መጻሕፍ ብ1930 ተዘርግሐት። እዚኣ ኸኣ እተመሓየሸ ናይ መጽሓፍ ራእይ መጽናዕቲ ሃበት። እቲ ብርሃን ብቐጻሊ ‘ነቶም ጻድቃን የብርሃሎም’ ስለ ዝነበረ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1963 ነታ 704 ገጽ ዘለዋ “ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ!” መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ! (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ሓተሙ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ ምትንሳእን ምውዳቕን ዓባይ ባቢሎን: ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝገልጽ ብዙሕ ዝርዝር ታሪኽ ሃበት: ብዛዕባ እተን ናይ መጨረሽታ ትሽዓተ ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ራእይ ሓሳባት ብምሃብ ድማ ትዛዝም። ‘መገዲ ጻድቃን እናወሰኸት ክትበርህ ከላ’ ድማ ብሕልፊ እኳ ንዕዮታት ጉባኤ ዝምልከት ነገራት ዝሓዘት 384 ገጽ ዘለዋ ብዛዕባ እተን ቀዳሞት 13 ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ራእይ ሓሳባት እትህብ ‘ሽዑ: እቲ ምስጢር ኣምላኽ ክፍጸም ኢዩ’ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ብ1969 ተሓትመት።—መዝሙር 97:11፣ ምሳሌ 4:18

7. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዛ ብዛዕባ ራእይ እትገልጽ መጽሓፍ እዚኣ ዘዳለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ: ንጥቕሚ ኣንበብቲ ዝኸውን ከመይ ዝበሉ ናይ መምሃሪ ሓገዛት ኢዮም ተዋሂቦም ዘለዉ፧

7 ኣብዚ ግዜ እዚ ብዛዕባ መጽሓፍ ራእይ ዝገልጽ ካልእ መጽሓፍ ክጽሓፍን እንደገና ኽሕተምን ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝወጸ ሓበሬታ ኣዝዩ ዝርዝር ዝበዝሖ ብምዃኑ: ብብዙሕ ቋንቋታት ተርጒምካን ሓቲምካን ኣብ መላእ ዓለም ንምዝርጋሑ ኣይተኻእለን። ስለዚ ኸኣ ንመጽሓፍ ራእይ ኣብ ሓደ ብቐሊሉ ኣብ ብዙሕ ቋንቋታት ተተርጒሙ ክወጽእ ዝኽእል ጥራዝ ጌርካ ምሕታማ ብቑዕ ኰይኑ ተረኽበ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: ኣብዛ ጥራዝ እዚኣ ኣንበብቲ ንትርጕም ናይቲ ደስ ዘብል ቍም ነገር ናይዚ ድንቂ ዝዀነ ትንቢት ብንጹር ምእንቲ ኽርድእዎ ኣብነታት: ሰሌዳታት: ከምኡውን ጽማቝ ሓሳባት ምቕራብ ዘጠቓልል ናይ መምሃሪ ሓገዛት ንምጥቃም ኣጋጣሚ ኣሎ።

8. እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንኽትጽሓፍ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ካልእ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

8 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንኽትጻሓፍ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ካልእ ምኽንያት ድማ: ምስ እዚ ሕጂ ዘሎ ሓቂ ምስምማዕ ኣድላዪ ስለ ዝዀነ ኢዩ። የሆዋ ኣብ ትርጕም ናይቲ ቅዱስ ቃሉ ብቐጻሊ ዝያዳ ብርሃን የብርህ ኢዩ ዘሎ: ንሕናውን ናብቲ ዓቢ ጸበባ እናቐረብና ብዝኸድና መጠን: እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ራእይን ካልእ ትንቢታትን ዘሎና ምርዳእ እናዓበየ ክኸይድ ክንጸበ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 24:21፣ ራእይ 7:14) ምሉእ ሓበሬታ ክህልወና ኣድላዪ ኢዩ። ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ መለኮታዊ ትንቢት ክዛረብ ከሎ “ምድሪ ኽሳዕ ዚወግሕ: ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዚወጽእ: ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሀልኩምሉ: ሰናይ ትገብሩ አሎኹም” ኢሉ ዝጸሓፎ ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 1:19

9. (ሀ) መጽሓፍ ራእይ ምስ ካልእ ትንቢታት ብምስምማዕ: ኣምላኽ እንታይ ክፈጥር ምዃኑ ኢያ እተርኢ፧ (ለ) እታ ሓዳስ ዓለም እንታይ ኢያ: ድሒንካ ናብኣ እትኣቱ ብኸመይ ኢኻ፧

9 መጽሓፍ ራእይ: ነቲ ኣምላኽ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር ምዃኑ ዘርኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ካልእ ትንቢታት ዝድግፍ ተወሳኺ መርትዖ ተቕርብ ኢያ። (ኢሳይያስ 65:17፣ 66:22፣ 2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:1-5) እቲ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ብቐዳማይ ደረጃ: ነቶም ኣብቲ ሓድሽ ሰማያት ምስኡ መጋዝእቲ ንኽዀኑ የሱስ ብደሙ ዝዓደጎም: ቅቡኣት ክርስትያናት እተላእከ ኢዩ። (ራእይ 5:9, 10) ይኹን እምበር: እዚ ብስራት እዚ ነቶም ኣብ ትሕቲ ናይ ክርስቶስ መንግስቲ ንዘለኣለም ክነብሩ ዝጽበዩ ሚልዮናት ሰባት እውን እምነቶም ከደልድል ኢዩ። ንስኻኸ ሓደ ካብዚኣቶም ዲኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ኴንካ: መጽሓፍ ራእይ ነቲ ከም ክፍሊ ናይቲ ሓድሽ ምድሪ ኴንካ ብብዙሕ ሰላም: ምሉእ ጥዕና: ከምኡውን ዘየቋርጽ ዋሕዚ በረኸታት ኣምላኽ እናረኸብካ ኣብ ገነት ንኽትነብር ዘሎካ ተስፋ ከተጽንዖ ኢያ። (መዝሙር 37:11, 29, 34፣ 72:1, 7, 8, 16) ድሒንካ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ክትኣቱ ትደሊ እንተድኣ ኴንካ: ነቲ ኣብዚ ዘበን እዚ ፍጻሜኡ ክረክብ ቀሪቡ ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዝርከብ ስእላዊ መግለጺታት ከተቕልበሉ ህጹጽ: አረ ግድነት እውን ኢዩ።—ጸፎንያስ 2:3፣ ዮሃንስ 13:17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሳድች ዘይቱንግ: ሙኒክ: ጀርመን 24 ጥሪ 1987።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 7፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]