ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰዓርቲ ንምዃን ምቅላስ

ሰዓርቲ ንምዃን ምቅላስ

ምዕራፍ 8

ሰዓርቲ ንምዃን ምቅላስ

ስሚርና

1. (ሀ) ኣየነይቲ ጉባኤ ኢያ ቀጺላ ካብቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ መልእኽቲ እተቐበለት፧ (ለ) የሱስ ንርእሱ “እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን” ብምባሉ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኢዩ ዘዘከሮም፧

 ሎሚ ጥንታዊት ከተማ ኤፌሶን ዑና ኢያ ዀይና ዘላ። እቲ ናይ የሱስ ካልኣይ መልእኽቲ ክበጽሓ ዝነበሮ ከተማ ግን ጌና ዕምርቲ ኢያ። ካብቲ ዑናታት ኤፌሶን ብወገን ሰሜን 56 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ይኸውን ርሒቓ እትርከብ: ሎሚ እውን ከይተረፈ ኣርባዕተ ቐነኣት ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከባኣ ኢዝሚር እትበሃል ናይ ቱርኪ ከተማ ኣላ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣብዚ ቦታ እዚ ከተማ ስሚርና ነበረት። የሱስ ቀጺሉ ዝበሎ ኣስተብህለሉ:- “ናብ መልኣኽ ማሕበር [“ጉባኤ:” NW] ስሚርናውን ጽሐፍ፤ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን: ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል አሎ።” (ራእይ 2:8) የሱስ ንክርስትያናት ሰብ ስሚርና ከምዚ ምባሉ: ንሱ እቲ የሆዋ ባዕሉ ናብ ዘይመውት መንፈሳዊ ህይወት ዘተንስኦ ናይ መጀመርታ ሓላው ንጽህና ምዃኑ ከምኡውን ብኸምኡ ዓይነት ኣገባብ ዝተንስአ ናይ መወዳእታ ንሱ ምዃኑን የዘኻኽሮም። ንዅሎም ካልኦት ቅቡኣት ክርስትያናት የሱስ ባዕሉ ኢዩ ዘተንስኦም። ስለዚ ነቶም ምስኡ ዘይመወት ሰማያዊ ህይወት ክካፈሉ ተስፋ ዘለዎም ኣሕዋቱ ምኽሪ ክህቦም ብቑዕ ኢዩ።

2. ኵሎም ክርስትያናት ብቓላት ናይቲ ‘ሞይቱ ነይሩ እንደገና ህያው ዝዀነ’ ክጸናንዑ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

2 የሱስ ምእንቲ ጽድቂ ኢሉ መስጐግቲ ብምጽማሙ ኣርኣያ ኰይኑ ኢዩ: ከምኡ ብምግባሩ ኸኣ እቲ ዝግብኦ ዓስቢ ረኸበ። ክሳዕ ሞት እሙን ምዃኑን ዘስዓበሉ ትንሳኤን ድማ ኢዩ ንዅሎም ክርስትያናት ናይ ተስፋ መሰረት ኰይኑዎም ዘሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:31) የሱስ ‘ሞይቱ ነይሩ እንደገና ህያው ምዃኑ:’ ምእንቲ ሓቂ ኢልካ ዝዀነ መግደራ ምጽማም ከንቱ ከም ዘይኰነ ዘረጋግጽ ኢዩ። ትንሳኤ የሱስ ንዅሎም ክርስትያናት: ብፍላይ እኳ ምእንቲ እምነቶም ኢሎም ስቅያት ከሕልፉ ከለዉ: ዝለዓለ ናይ ምጽንናዕ ምንጪ ኢዩ ዝዀኖም። ናትካ ኵነታትከ ከምዚ ድዩ፧ እምበኣር ካብቲ የሱስ ቀጺሉ ነታ ኣብ ስሚርና ዝነበረት ጉባኤ ዝበሎ ቃላት እውን መተባብዒ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ:-

3. (ሀ) የሱስ ነቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ምትብባዕ ኢዩ ዝሃቦም፧ (ለ) ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ድኻታት እኳ እንተ ነበሩ: የሱስ “ሃብታም” ዝበሎም ስለንምታይ ኢዩ፧

3 “ጸበባኻን ድኽነትካን:ግናኸ ሃብታም ኢኻ:ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን:ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር: ኣይሁድስ ዘይኰኑ:እፈልጥ አሎኹ።” (ራእይ 2:9) የሱስ ነቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ኣሕዋቱ ምዉቕ ንእዶ እንተ ዘይኰይኑ ምንም ወቐሳ ኣይነበሮን። ብምኽንያት እምነቶም ብዙሕ ጸበባ ኣሕሊፎም ኢዮም። ብስጋዊ ጥሪት እውን: ምናልባት ብምኽንያት እምነቶም ይኸውን: ድኻታት ኢዮም ነይሮም። (እብራውያን 10:34) ይኹን እምበር: እቲ ቀንዲ ዘገድሶም ዝነበረ መንፈሳዊ ነገራት ኢዩ ነይሩ: ከምቲ የሱስ ዝመዓዶም ድማ መዝገቦም ኣብ ሰማይ ኣንቢሮም ኢዮም። (ማቴዎስ 6:19, 20) ስለዚ ኸኣ እቲ ሓለቓ ጓሶት ከም “ሃብታም” ገይሩ ኢዩ ዝርእዮም።—ምስ ያእቆብ 2:5 ኣረኣእዮ።

4. እቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ብዙሕ ምጽራር ዝወረዶም ካብ መን ኢዩ: የሱስከ ነቶም ተጻረርቲ ብኸመይ ተመልከቶም፧

4 የሱስ እቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ስጋውያን ኣይሁድ ዝመጾም ምጽራር ከም እተዋጽእሉ ብፍሉይ ኣስተብሃለሉ። ቀደምውን እንተዀነ ብዙሓት ካብዚ ሃይማኖት እዚ: ክርስትና ንኸይሰፍሕ ብትሪ ተጻሪሮም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:44, 45፣ 14:19) ሕጂ እውን ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ምውዳቕ የሩሳሌም እቶም ኣብ ስሚርና ዝነብሩ ኣይሁድ ተመሳሳሊ ዝዀነ ሰይጣናዊ መንፈስ የርእዩ ኣለዉ። የሱስ ነዚኣቶም “ማሕበር ሰይጣን” ክብሎምሲ ከገርመና የብሉን! a

5. ነቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጽበዮም ዝነበረ ፈተናታት እንታይ ኢዩ፧

5 እቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ምስ ከምዚ ዝበለ ጽልኢ ብምግጣሞም የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣጸናንዖም:- “እንሆ: ምእንቲ ኽትፍተኑስ: ድያብሎስ [ንገለ ካባኻትኩም] ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ: ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ: ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።” (ራእይ 2:10) ኣብዚ የሱስ ነታ “ካባኻትኩም” እትብል ንብዝሒ እተመልክት ናይ ግሪኽ ቃል ሰለስተ ግዜ ብምጥቃሙ እቲ ዘረብኡ ንዅሎም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ዘጣምር ከም ዝዀነ የርኢ። የሱስ ነቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ዝወርዶም ዝነበረ ፈተና ቀልጢፉ ክውዳእ ኢዩ: ኢሉ ክመባጽዓሎም ኣይክእልን ኢዩ። ገለ ኻባታቶም ክፍተኑን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጐኑን ኢዮም። “ዓሰርተ መዓልቲውን” ጸበባ ከሕልፉ ነበሮም። ቍጽሪ 10 ምድራዊ ምልኣት ወይ ኵለንትና ኢዩ ዘመልክት። እቶም ብመንፈስ ሃብታማት ዝዀኑ ሓለውቲ ንጽህናውን ብስጋ ክሳዕ ዘለዉስ ምሉእ ፈተናታት ከሕልፉ ኢዮም።

6. (ሀ) እቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ክፈርሁ ዘይነበሮም ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) የሱስ እቲ ንጉባኤ ስሚርና ዝነበሮ መልእኽቲ ብኸመይ ደምደሞ፧

6 ይኹን እምበር: እቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ክፈርሁ ወይ ክለማመጡ ኣይነበሮምን። ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ምስ ዝዀኑ “ኣኽሊል ህይወት” ከም ዓስቢ ክረኽቡ ነበሮም: እዚ ኸኣ ንኣታቶም ኣብ ሰማይ ዘይመውት ህይወት ምርካብ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 9:25፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:6-8) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኽቡር ዓስቢ እዚ ኵሉ አረ ምድራዊ ህይወቱውን ክስውኣሉ ከም ዝግባእ ገይሩ ረኣዮ። (ፊልጲ 3:8) እቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ እሙናትውን ከምኡ ከም እተሰምዖም ፍሉጥ ኢዩ። የሱስ ከኣ ነታ መልእኽቱ ከምዚ ብምባል ይድምድማ:- “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት [“ንጉባኤታት:” NW] ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኪጕዳእን እዩ።” (ራእይ 2:11) እቶም ዝስዕሩ ኸኣ ሞት ክትንክፎ ዘይክእል ዘይመውት ሰማያዊ ህይወት ክዋሃቦም ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:53, 54

‘ዓሰርተ መዓልቲ ጸበባ’

7, 8. ከምታ ኣብ ስሚርና ዝነበረት ጉባኤ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብ1918 ‘እተፈተነት’ ከመይ ኢላ ኢያ፧

7 ከምቲ እቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ዝዀኑዎ: ሎሚውን እዞም ክፍሊ ዮሃንስን ብጾቶምን ብዘይምቍራጽ ‘ተፈቲኖም’ ኢዮም: ይፍተኑ ኸኣ ኣለዉ። ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት ምዃኖም ከኣ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ የመልክት። (ማርቆስ 13:9, 10) መዓልቲ ጐይታ ምስ ጀመረት ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ: እተን የሱስ ነቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ዝበሎም ቃላት: ነቶም ሒደት ኣህጉራዊ ጕጅለ ዝዀኑ ህዝቢ የሆዋ ናይ ሓቂ መጸናንዒ ዀንኦም። (ራእይ 1:10) እዚኣቶም ካብ 1879 ኣትሒዞም ካብ ቃል ኣምላኽ መንፈሳዊ ሃብቲ እናዃዓቱ ንኻልኦት ብናጻ ከማቕልዎም ጸኒሖም ኢዮም። ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ግን ኣብቲ ውግእ ብዘይምስታፎምን: ከይፈርሑ ጌጋታት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ብምቅልዖምን ኣደዳ ጽልእን ምጽራርን ኰኑ። እቲ ብገሊኦም መራሕቲ ህዝበ-ክርስትያን ተሳዊሩ ዝወርድ ዝነበረ መስጐግቲ ድማ ብ1918 ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጽሐ: ምስቲ ኣብ ስሚርና ንዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ዝወርዶም ዝነበረ መስጐግቲ ኸኣ ዝመሳሰል ነበረ።

8 ነቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ሾውዓተ ብጾቱን ብ22 ሰነ 1918 መብዛሕትኦም ን20 ዓመት ክእሰሩ ምስ ተፈርዱ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ማዕበል ናይ መስጐግቲ ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በጽሐ። ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ግን ብዋሕስ ወጹ። ብ14 ግንቦት 1919 ድማ እቲ ናይ ይግባኝ ቤት ፍርዲ ነቲ ጌጋ ፍርድታት ቀየሮ፣ እቲ ፍርዲ 130 ጌጋታት ዘለዎ ኰይኑ ተረኽበ። እቲ ብ1918 ነቶም ክርስትያናት ብዋሕስ ንኸይወጹ ዝኸልከሎም: ኣብ ስርዓት ናይ ቅዱስ ግረጎርዮስ ዓቢ መዓርግ ፈረሰኛ ወተሃደር ዝነበሮ: ማንቶን እተባህለ ናይ ካቶሊክ ዳኛ: ሽዱሽተ ግዜ ብምድንጋሩን ጉቦ ብምቕባሉን ብ1939 ክልተ ዓመት ክእሰርን 10,000 ዶላር ክኸፍልን ተፈርዶ።

9. ሂትለር ነቶም ኣብ ናዚ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ይሕዞም ነበረ: ኣቕሽሽቲኸ እንታይ ገበሩ፧

9 ብግዜ ግዝኣት ናዚ ኣብ ጀርመን: ሂትለር ንዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈጺሙ ኣገዶ። ንሓያለይ ዓመታት ብኣሻሓት ዝቝጸሩ መሰኻኽር ብጭከና ኣብ መዳጐኒ ደምበታትን ኣብያተ ማእሰርትን ተሓጺሮም ኣብኡ ብዙሓት ክሞቱ ኸለዉ: 200 ዝዀኑ ኣብ ሰራዊት ሂትለር ተኸቲብና ኣይንዋጋእን ዝበሉ መንእሰያት ከኣ ተቐቲሎም ኢዮም። እዚ ዅሉ ደገፍ ናይ ኣቕሽሽቲ ከም ዝነበሮ በቲ ኣብታ ዘ ጀርማን ወይ እትብሃል ጋዜጣ ብ29 ግንቦት 1938 ተጻሒፉ ዝወጸ ቃላት ናይ ሓደ ካህን ካቶሊክ ተጋህደ። ገለ ኻብቲ ዝበሎ ኸኣ:- “እዞም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሃሉ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] . . . ሎሚ ኣብ ምድሪ ኣብ ሓንቲ ሃገር ተኸልኪሎም ኣለዉ። እዚኣ ኸኣ ጀርመን ኢያ! . . . ኣዶልፍ ሂትለር ስልጣን ምስ ሓዘ እቶም ኣብ ጀርመን ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ደጊሞም ምስ ሓተትዎ ሂትለር ከምዚ በለ:- ‘እዞም ህርኩታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ዝበሃሉ: ፈጠርቲ ሽግር ኢዮም፣ . . . ከም ኣምሰሉታት እየ ዝርእዮም: ካቶሊካውያን ጀርመን ከምዚ ኢሎም ብሓደ ራዘርፎርድ እተባህለ ኣመሪካዊ ፈራዲ ክዋረዱ ኣይፈቅድን ኢየ፣ ነቶም ኣብ ጀርመን ዘለዉ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ከሕቅቖም ኢየ።” ነዚ ቃላት እዚ እቲ ካህን “ብራቮ!” ዝብል ወሰኸሉ።

10. (ሀ) መዓልቲ ጐይታ እናቐጸለት ምስ መጸት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ መስጐግቲ ኢዩ እተጋጠሞም፧ (ለ) ክርስትያናት ምእንቲ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ተማጐቱ ብዙሕ ግዜ እንታይ ኣፍረየ፧

10 መዓልቲ ጐይታ እናቐጸለት ምስ መጸት: እቲ ተመንን ዘርኡን ምስቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን ካብ ምቅላስ ኣቋሪጾም ኣይፈልጡን ኢዮም። ሓያለይ ካባታቶምውን ተኣስሩ ሕሱም መስጐግቲ ድማ በጽሖም። (ራእይ 12:7) እዞም ጸላእቲ ‘ከም ሕጊ ኢና: እናበሉ ዓመጽ ምግባር’ ኣየቋረጹን: ህዝቢ የሆዋ ግን ጸኒዖም “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ:” በሉ። (መዝሙር 94:20፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ብ1954 መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ሃበ:- “ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርብዓ ዓመታት: ካብ ሰብዓ ዝበዝሓ ሃገራት ኣብ እተፈላለየ እዋን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝቕይድ ሕግታት ሰርዓ መስጐግቲውን ኣውረዳሎም።” እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ምእንቲ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ቤት ፍርዲ ክትማጐት ኣብ ዝከኣለሉ ቦታታት ተማጐቱ: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ድማ ብዘደንቕ መገዲ ሰዓሩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 50 ዓወታት ረኺቦም ኢዮም።

11. ከመይ ዝበለ የሱስ ብዛዕባ ምልክት ህላወኡ ዝሃቦ ትንቢት ኢዩ ብመዓልቲ ጐይታ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጸም ዘሎ፧

11 ከም ህዝቢ ኣምላኽ ገይሩ ብሕልና ነቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር ሃቡ: ዝብል ናይ የሱስ ትእዛዝ ዘኽበረ ካልእ ጕጅለ የልቦን። (ሉቃስ 20:25፣ ሮሜ 13:1, 7) እንተዀነ ግን: ኣብ ብዙሓት ሃገራት: ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ስርዓት ዘለወን መንግስታት: ኣባላተን እተኣስርወን ካልኦት ጕጅለታት ኣይተረኽባን: እዚ ኸኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣፍሪቃን እስያን ይቕጽል ኣሎ። እቲ የሱስ ብዛዕባ ምልክት ህላወኡ ዝሃቦ ዓቢ ትንቢት እዘን ዝስዕባ ቃላትውን ዝሓዘ ኢዩ:- “ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከአ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም።” (ማቴዎስ 24:3, 9) እዚ ኸኣ ብመዓልቲ ጐይታ ኣብቶም ክርስትያን መሰኻኽር የሆዋ ብርግጽ ተፈጺሙ ኢዩ።

12. እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ዝወርዶም ጸበባ ምእንቲ ክጋጠምዎ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዘበርትዖም፧

12 ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ዝወርዶም ጸበባ በርቲዖም ምእንቲ ክጋጠምዎ እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ቍም ነገር ናይቲ የሱስ ኣብ ስሚርና ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝበሎም ቃላት ከየባተኸ የዘኻኽሮም ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ናዚ መስጐግቲ ምስ ጀመረ: ኣብ 1933 ከምኡውን 1934 ብመሰረት ማቴዎስ 10:26-33 “ኣይትፍርህዎም” ዝብል፣ ብመሰረት ዳንኤል 3:17, 18 “ሓጺን ዝመከሉ እቶን” ዝብል፣ ከምኡውን ብመሰረት ዳንኤል 6:22 “ኣፍ ኣናብስ” ዝብል ዓንቀጻት ዝሓዘ ግምቢ ዘብዐኛ ወጸ። ኣብቲ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ፈለማ ብእንግሊዝኛ እተሓትመትሉን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 40 ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ብርቱዕ መስጐግቲ እተሳቐይሉን 1980ታት ዝነበረ ዓሰርተ ዓመታት ከኣ: ግምቢ ዘብዐኛ “ዋላኳ ይሰጐጉ እምበር ሕጕሳት!” ከምኡውን “ክርስትያናት ንመስጐግቲ ብምጽማም ይጋጠምዎ” ዝብል ዓንቀጻት ሒዙ ብምውጻእ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣጽኒዕዎም ኢዩ። b

13. ከምቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት: ክርስትያናት መሰኻኽር የሆዋ መስጐግቲ ዘይፈርሁ ስለምንታይ ኢዮም፧

13 ብርግጽ እምበኣር: እዞም ክርስትያን መሰኻኽር ናይ የሆዋ ብኣካላዊ መስጐግትን ካልእ ፈተናታትን ብምሳልያዊ መገዲ ዓሰርተ መዓልቲ ይሳቐዩ ኣለዉ። ከምቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት: ንሳቶምውን ኣይፈርሁን፣ ዝዀነ ይኹን ካባናውን ኣብ ምድሪ ሽግራት እናበርትዐ እኳ እንተኸደስ ክንፈርህ የብልናን። ኣብ ትሕቲ ስቓይ ክንጽመም: ‘ምግባት ገንዘብናውን’ እንተዀነ ብሓጐስ ኽንቅበሎ እተዳሎና ኢና። (እብራውያን 10:32-34) ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ናይ ገዛእ ርእስና ብምግባርን: ኣብ እምነትና ጸኒዕና ጠጠው ንኽንብል ክንዕጠቕ ኢና። ኣብቲ ንጽህናኻ ንኽትሕሉ እትገብሮ ቃልሲ የሆዋ ክሕልወካ ከም ዝኽእልን ክሕልወካውን ከም ዝዀነን ርግጸኛ ኵን። “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም [“ጭንቀትኩም:” NW] ኣብኡ ኣውድቕዎ።”—1 ጴጥሮስ 5:6-11

[እግረ-ጽሑፋት]

a ስሳ ዓመት ድሕሪ ሞት ዮሃንስ: ሓደ 86 ዝዕድሚኡ ፖሊካርፕ እተባህለ ሰብ ነቲ ኣብ የሱስ ዝነበሮ እምነት ምኽሓድ ስለ ዝኣበየ ኣብ ስሚርና ብሓዊ ነዲዱ ሞተ። እቲ ኵነታት ኣብ እተፈጸመሉ እዋን ተጻሒፋ ተባሂሉ ዝእመነላ ሰማእትነት ፖሊካርፕ (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ: እቲ ቅትለት “ብመዓልቲ ሰንበት” ይፈጸም እምበር መንደዲ ዝኸውን ዕንጨይቲ ክእከብ ከሎ “እቶም ኣይሁድ ከም ልምዶም መጠን ብቕንኢ ኢዮም ነዚ ጉዳይ እዚ ተሓባቢሮም” ኢላ ትገልጽ።

b ናይ 1 ሕዳር 1933፣ 1 ከምኡውን 15 ጥቅምቲ 1934: 1 ከምኡውን 15 ታሕሳስ 1934፣ 1 ግንቦት 1983 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ተመልከት።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ሳጹን/​ኣብ ገጽ 39 ዘሎ ስእሊ]

ንሓያሎ ዓመታት ዝኸውን: ጸሓፍቲ ታሪኽ ብዛዕባ ንጽህና ጀርመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስክርነት ከቕርቡ ጸኒሖም ኢዮም። እታ ብጸሓፊት ታሪኽ ክላውድያ ኩንዝ ብ1986 እትሓትመት ማዘርስ ኢን ደ ፋዘርላንድ (እንግሊዝኛ) እተባህለት መጽሓፍ: ከምዚ ትብል:- “መብዛሕትኦም እቶም መበቆል ናዚ ዘይነበሮም ጀርመናውያን ኣብ ትሕቲ እቲ ዝጸልእዎ ግዝኣት ክነብርሉ ዝኽእሉ መገድታት ረኺቦም ኢዮም። . . . በቲ ሓደ መዳይ ኣተሓሳስባ ኸኣ: እቶም 20, 000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ: እዚኣቶም ከኣ ነፍሲ ወከፎም ብተግባር ነቲ ናይ ናዚ ግዝኣት: ዝዀነ ዓይነት ተኣዛዝነት ኣየርኣዩን። . . . እቶም ዝያዳ ሕቡራት ዝነበሩ ጉጅለ ተቓወምቲ ብሃይማኖት እተደገፉ ኢዮም ነይሮም። ካብ ፈለማ ኣትሒዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝዀነ ዓይነት መልክዕ ምስ ስርዓት ናዚ ሕብረት ኣይነበሮምን። ብ1933 እቶም ጌስታፖ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ምስ ዓጸዉሎምን ብ1935 ከኣ እታ ኣንቆራ ምስ ተኣገደትውን ከይተረፈ ‘ሀይል ሂትለር’ ምባል እኳ እንተዀነ ኣበዩ። ዳርጋ ፍርቂ (መብዛሕትኦም ሰብኡት) ካብ ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ መዳጐኒ ደምበታት ተሰዱ: ካብኦም ሽሕ ዝዀኑ ተቐትሉ: ካልኦት ሽሕ ኸኣ ካብ 1933 ክሳብ 1945 ኣብ ዝንበረ እዋን ሞቱ። . . . ካቶሊክን ፕሮተስታንትን: እቶም መራሕቶም ምስ ሂትለር ክተሓባበሩ ክእዝዝዎም ሰሚዖምዎም ኢዮም። እንተ ተቓወሙ ኸኣ ትእዛዝ ናይ መንግስትን ቤተ-ክርስትያንን ብምጥሓስ ኢዮም ከምኡ ዝገብሩ ዝነበሩ።”