ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለቲ ፍርድታቱ ንያህ ወድስዎ!

ስለቲ ፍርድታቱ ንያህ ወድስዎ!

ምዕራፍ 38

ስለቲ ፍርድታቱ ንያህ ወድስዎ!

1. “ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ” እንታይ ክብል ከሎ ኢዩ ዮሃንስ ዝሰምዐ፧

 ድሕሪ ደጊም ዓባይ ባቢሎን የላን! እዚ ብሓቂ ዘሐጕስ ዜና ኢዩ። ዮሃንስ ኣብ ሰማይ ዘሐጕስ ጭድርታ ናይ ውዳሰ ምስምዑ ዘገርም ኣይኰነን! “ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ: ሃሌሉያ: ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ: ንሱ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍኤት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ: ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ: ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ካልኣይ ጊዜ ድማ፤ ሃሌሉያ: በሉ። ትካውን ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ።” aራእይ 19:1-3

2. (ሀ) እቲ “ሃሌሉያ” ዝብል ቃል ትርጕሙ እንታይ ኢዩ: ዮሃንስ ኣብዚ ደረጃ እዚ ክልተ ግዜ ምስምዑኸ እንታይ ኢዩ ዘርኢ፧ (ለ) ንዓባይ ባቢሎን ብምጥፋእ ክብሪ ዝወስድ መን ኢዩ፧ ግለጾ።

2 ብርግጽ ሃሌሉያ! ትርጕም ናይቲ ቓል “ኣቱም ህዝቢ ንያህ ወድስዎ” ኢዩ: “ያህ” ሓጺር ኣጸዋውዓ ናይቲ መለኮታዊ ስም: የሆዋ ኢዩ። እዚ ነቲ “ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር [“ንያህ:” NW] የመስግኖ። ሃሌሉያ” ዝብል ማዕዳ ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ኢና እንዘኻኸር። (መዝሙር 150:6) ዮሃንስ ኣብዚ ደረጃ ናይ መጽሓፍ ራእይ: ነቲ “ሃሌሉያ” ዝብል ፍስሃ ዝመልኦ ሰማያዊ ናይ ሓባር መዝሙር ክልተ ግዜ ምስምዑ እቲ መለኮታዊ ምግላጽ ሓቂ ቀጻልነት ከም ዘለዎ ኢዩ ዘረድእ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣምላኽ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣምላኽ ሓደ ኢዩ: ስሙ ኸኣ የሆዋ ኢዩ። እቲ ንጥንታዊት ባቢሎን ከም እትወድቕ ዝገበረ ኣምላኽ: ሕጂ ንዓባይ ባቢሎን ፈሪድዋን ኣጥፊእዋን ኣሎ። ኵሉ ክብሪ ናይዚ ጅግንነት እዚ ንዕኡ ሃብዎ! እቲ ውድቀታ ዘምጽአ ሓይሊ ናቱ ኢዩ እምበር ናይተን ንምብዳማ ከም መሳርሒ እተጠቕመለን ሃገራት ኣይኰነን። ድሕነት እንረክብ ካብ የሆዋ ጥራይ ኢዩ።—ኢሳይያስ 12:2፣ ራእይ 4:11፣ 7:10, 12

3. እዛ ዓባይ ኣመንዝራ ፍርዳ ክትረክብ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

3 እዛ ዓባይ ኣመንዝራ እዚ ፍርዲ እዚ ክትረክብ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ብመሰረት እቲ የሆዋ ንኖህ ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ንዅሉ ሰብ ዝሃቦ ሕጊ: ብተንኰል እተገብረ ምፍሳስ ደም ናይ ሞት ፍርዲ ኢዩ ዘስዕብ። እዚ ኣብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ እንደገና ተጠቕሰ። (ዘፍጥረት 9:6፣ ዘሁልቍ 35:20, 21) ብተወሳኺ: ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣካላውን መንፈሳውን ምንዝር ሞት ዘምጽእ ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 20:10፣ ዘዳግም 13:1-5) ንኣሽሓት ዓመታት ዓባይ ባቢሎን ናይ ደም ገበነኛን ዓባይ ኣመንዝራን ኢያ ነይራ። ንኣብነት: እቲ ኣቕሽሽታ ከይምርዓዉ ዝኽልክል ናይ ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን መምርሒ: መብዛሕትኦም ዓቢ ዘይስነ-ምግባራውነት ከም ዝፍጽሙ ገበሮም: ሎሚ ካብኣቶም አይድስ ዝሓዞም ውሑዳት ኣይኰኑን። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:1-3) እቲ ‘ክሳዕ ሰማይ እተጸፍጸፈ’ ሓጢኣታ ግን ዘሰንብድ ተግባር ናይ መንፈሳዊ ምንዝርንኣ ኢዩ: ነዚ ኸኣ ሓሶት ብምምሃርን ንርእሳ ኸኣ ምስ ብልሽዋት ፖለቲከኛታት ብምሕባርን ኢያ ትገብሮ። (ራእይ 18:5) ኣብ መወዳእትኡ መቕጻዕታ ስለ ዝረኸበት: እቶም ሰማያውያን ጭፍራ ሕጂ ንኻልኣይ ግዜ “ሃሌሉያ” ብምባል የቃልሑ ኣለዉ።

4. ትኪ ናይ ዓባይ ባቢሎን ‘ንዘለኣለመ ኣለም ምውጽኡ’ እንታይ የመልክት፧

4 ዓባይ ባቢሎን ከም እተሳዕረት ከተማ ብሓዊ ነዲዳ ኢያ: እቲ ትካ ኸኣ “ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ።” ቃል ብቓሉ: ሓንቲ ከተማ ብዝሰዓርዋ ሰራዊት ክትነድድ ከላ: እቲ ሓሙኹስቲ ርሱን ክሳዕ ዝዀነ ትኪ ይወጽእ ኢዩ። ገና እናተኸኸ ከሎ እንደገና ክሃንጻ ዝፍትን በቲ ፈኸም ዝብል ዑና ኢዩ ዝነድድ። እቲ ካብ ዓባይ ባቢሎን ዝወጽእ ትኪ “ንዘለኣለመ ኣለም” ስለ ዝዀነ: ፍርዳ ንመወዳእታ ከም ዝዀነ ዘመልክት ኢዩ: ነዛ እክይቲ ከተማ እንደገና ዝሃንጽ ዋላ ሓደ የለን። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንዘለኣለም ጠፊኡ ኢዩ። ብሓቂ ሃሌሉያ!—ምስ ኢሳይያስ 34:5, 9, 10 ኣረኣእዮ።

5. (ሀ) እቶም 24 ሽማግለታትን እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን እንታይ ኢዮም ዝገብሩን ዝብሉን፧ (ለ) እቲ ናይ ሃሌሉያ ኣዝማች ካብቲ ኣብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ዝዝመር ናይ ሃሌሉያ ሓባራዊ መዝሙር ዝበለጸ ዜማ ዝህልዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝነበረ ትርኢት: ዮሃንስ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ምስቶም ንወረስቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ ግርማ ዝመልኦ ሰማያዊ ቦትኦም ዘመልክቱ 24 ሽማግለታት ረኣየ። (ራእይ 4:8-11) ሕጂ ኸኣ ዓባይ ባቢሎን ብምጥፍኣ ነጐዳ ዝጥዕም ሳልሳይ ሃሌሉያ ክብሉ ይርእዮም:- “እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን [“ህያዋን ፍጡራትን:” NW] ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽ፤ ኣሜን: ሃሌሉያ: እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።” b (ራእይ 19:4) እዚ ዓቢ ናይ ሃሌሉያ ሓባራዊ መዝሙር: ኣብ ርእሲ እቲ “ሓድሽ መዝሙር” ውዳሰ ናይቲ ገንሸል ኢዩ ዝዝመር። (ራእይ 5:8, 9) ሕጂ በቲ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን እታ ዓባይ ኣመንዝራ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ዓወት: ኵሉ ክብሪ ነቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ብምሃብ: ዓቢ ናይ ዓወት ኣዝማች ኢዮም ዝዝምሩ። እዚ ሃሌሉያታት እዚ ካብቲ የሆዋ ወይ ያህ እተዋረደሉን እተናዕቀሉን ኣብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ዝዝመር ናይ ሃሌሉያ ሓባራዊ መዝሙር ዝበለጸ ዜማ ዘቃልሕ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ንየሆዋ ዘጽርፍ ናይ ግብዝና ምዝማር ሕጂ ንዘለኣለም ድሃዩ ክጠፍእ ኢዩ!

6. ናይ መን “ድምጺ” ኢዩ ዝስማዕ: እንታይ ኢሉ ይምሕጸን: ኣብቲ መልሲ ምሃብከ መን ኢዩ ዝካፈል፧

6 የሆዋ ነቶም ‘ስሙ ዝፈርሁ ንኣሽቱን ዓበይትን’ ዓስቦም ክህቦም ዝጀመረ ብ1918 ኢዩ: ካብዚኣቶም ናይ መጀመርታ እቶም ኣብቲ ሰማያዊ ደረጃ ናይቶም 24 ሽማግለታት ዘተንስኦም ብተኣማንነት ዝሞቱ ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዮም። (ራእይ 11:18) ካልኦትውን ነዚ ሃሌሉያታት እዚ ንምዝማር ምስኦም ይሓብሩ: ከመይሲ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ የቕርብ:- “ካብቲ ዝፋንውን፤ ኣቱም እትፈርህዎ ናእሽቱን ዓበይትን ኵሉኹም ባሮቱ: ንኣምላኽና ወድስዎ: ዚብል ድምጺ ወጸ።” (ራእይ 19:5) እዚ ናይቲ ኣብ ‘ማእከል እቲ ዝፋን’ ደው ዝብል ናይ የሆዋ ኣፈኛ ዝዀነ ወዱ የሱስ ክርስቶስ “ድምጺ” ኢዩ። (ራእይ 5:6) ኣብ ሰማይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብዛ ምድሪውን “ኵሉኹም ባሮቱ” ምስቶም ኣብ ምድሪ መሪሕነት ዝወሰዱ ቅቡኣት ክፍሊ ዮሃንስ ኣብቲ ምዝማር ተኻፈሉ። እዚኣቶም ነቲ “ንኣምላኽና ወድስዎ” ዝብል ትእዛዝ ኣብ ምእዛዝ ኣየ ብኸመይ ዝበለ ፍስሃ ኰን ኢዮም ዝሓብሩ!

7. ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአት ንየሆዋ ዝውድስዎ መን ኢዮም፧

7 እወ: እቶም ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑውን ምስ እዞም ባሮት እዚኦም ኢዮም ዝቝጸሩ። ካብ 1935 ኣትሒዞም ካብ ዓባይ ባቢሎን ወጺኦም ኢዮም: መፈጸምታ ናይቲ “ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ: ናእሽቱን ዓበይትን: ኪባርኾም እዩ” ዝብል መብጽዓ ኣምላኽ ከኣ ይምከርዎ ኣለዉ። (መዝሙር 115:13) እታ ኣመንዝራ መሰል ባቢሎን ምስ ጠፍአት: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካብኣቶም: ምስቶም ክፍሊ ዮሃንስን ሰማያዊ ጭፍራን ሓቢሮም: ‘ንኣምላኽና ክውድስዎ’ ኢዮም። ጽንሕ ኢሎም ከኣ እቶም ኣብ ምድሪ ዝትንስኡ: ቅድም ፍሉጣት ይንበሩ ኣይንበሩ: ዓባይ ባቢሎን ንዘለኣለም ከም ዝጠፍአት ምስ ተረድኡ ብዘይጥርጥር ተወሳኺ ሃሌሉያታት ክዝምሩ ኢዮም። (ራእይ 20:12, 15) ኣብ ልዕሊ እታ ናይ መዋእል ኣመንዝራ ስለ እተዓወተ ኵሉ ውዳሰ ንየሆዋ ኢዩ ዝግባእ!

8. እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ናይ ሰማይ ሓባራዊ መዝሙር ውዳሰ: ሕጂ ዓባይ ባቢሎን ቅድሚ ምጥፍኣ እንታይ ተበግሶ ኢዩ ክህበና ዘለዎ፧

8 እዚ ዅሉ ኣብቲ ሎሚ ክግበር ዘለዎ ዕዮ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል ኣየ ከመይ ዝበለ ተበግሶ ኰን ኢዩ ዝህበና! ኵሎም ኣገልገልቲ ያህ: ሕጂ ዓባይ ባቢሎን ቅድሚ ምብንቋራን ምጥፍኣን: ፍርድታት ኣምላኽ: ምስቲ ዓቢ ተስፋ ናይታ መንግስቲ ኣብ ምእዋጅ ምሉእ ልቦምን ነፍሶምን ዝውፍዩ ይግበሮም።—ኢሳይያስ 61:1-3፣ 1 ቈረንቶስ 15:58

ኣምላኽና ነጊሱ—ሃሌሉያ!’

9. እቲ ናይ መወዳእታ ሃሌሉያ ምሉእን ዓቢ ዋጋ ዘለዎን ድምጺ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ንምሕጓስ ተወሳኺ ምኽንያታት ኣሎ: ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፣ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ: ሃሌሉያ። c . . . ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” (ራእይ 19:6) እዚ ናይ መወዳእታ ሃሌሉያ ኢዩ ነቲ ኣዋጅ ተሪርን እምነት ዝግበሮን ወይ ከኣ ምዕሩይ ይገብሮ። ብርቱዕ ሰማያዊ ድሃይ ኢዩ: ካብ ዝዀነ ናይ ሰብ ሓባራዊ መዝሙር ዝዓበየ: ካብ ዝዀነ ምድራዊ ምፍሳስ ማይ ዝበርትዐ: ከምኡውን ካብ ዝዀነ ምድራዊ ነጐዳ ንላዕሊ ዘርዕድ ኢዩ። እቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰማያውያን ድምጽታት ‘እቲ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብምንጋሱ’ ኢዮም ዘብዕሉ ዘለዉ።

10. ባቢሎን ድሕሪ ምጥፍኣ የሆዋ ነጊሱ ኢዩ ዝብሃል: በየናይ መገዲ ኢዩ፧

10 የሆዋ ዝነግስ ግን ብኸመይ ኢዩ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንጉሰይ እዩ” ካብ ዝብል ኣሽሓት ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። (መዝሙር 74:12) ሽዑውን እንተዀነ ንግስነት የሆዋ ጥንታዊ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ እዚ ኣድማሳዊ ናይ ሓባር መዝሙር ‘ኣምላኽ ነጊሱ’ ዝብል ደኣ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአት: ከም ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ መጠን ንየሆዋ ካብ ምእዛዝ እትዓናቕፍ ደረቐኛ ጸላኢት ኣይክትህሉን ኢያ። ድሕሪ ደጊም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንገዛእቲ ምድሪ ንየሆዋ ክቃወምዎ ኣይከተለዓዕሎምን ኢያ። ጥንታዊት ባቢሎን ካብ ግዝኣት ዓለም ምስ ኣልገሰት: ጽዮን ነቲ “ኣምላኽኪ ይነግስ” ዝብል ናይ ዓወት ኣዋጅ ሰምዐት። (ኢሳይያስ 52:7) እታ መንግስቲ ብ1914 ድሕሪ ምውላዳ እቶም 24 ሽማግለታት “ዎ . . . እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወሰድካዮን ስለ ዝነገስካን: ነመስግነካ አሎና” ኢሎም ኣወጁ። (ራእይ 11:17) ሕጂ ዓባይ ባቢሎን ድሕሪ ምጥፍኣ እቲ “እግዚኣብሄር . . . ነጊሱ እዩ” ዝብል ጭድርታ እንደገና ይስማዕ። ምስቲ ሉዓላውነት ናይ የሆዋ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝወዳደር ዋላ ሓደ ሰብ ዝሰርሖ ኣምላኽ ኣይክተርፍን ኢዩ!

መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ!

11, 12. (ሀ) ጥንታዊት የሩሳሌም ንጥንታዊት ባቢሎን እንታይ ኢላ ጸውዓታ: ንሓዳስ የሩሳሌምን ንዓባይ ባቢሎንን ዝምልከትከ እንታይ ኣብነት ገደፈት፧ (ለ) ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአት: እቶም ሰማያውያን ጭፍራ እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝዝምሩን ዘመልክቱን፧

11 “ኣቲ ጸላኢተይ”! እዚ እታ ናይ ኣምልኾ የሆዋ ቤት መቕደስ ዝነበራ የሩሳሌም: ነታ መምለኺት ጣኦት ባቢሎን ዝበለታ ኢዩ። (ሚክያስ 7:8) ብተመሳሳሊ: እታ በቶም 144,000 ኣባላት መርዓት ዝቖመት “ቅድስቲ ኸተማ: እታ ሓዳስ የሩሳሌም:” ንዓባይ ባቢሎን ከም ጸላኢታ ክትርእያ እኹል ምኽንያት ኣለዋ። (ራእይ 21:2) ኣብ መወዳእታ ግን እዛ ዓባይ ኣመንዝራ ብጽልእን መዓትን ዕንወትን ተሳቕያ ኢያ። ናይ ሓተታ መናፍስቲ ተግባራታን ቈጸርቲ ከዋኽብታን ከድሕንዋ ኣይከኣሉን። (ምስ ኢሳይያስ 47:1, 11-13 ኣረኣእዮ።) ብርግጽ: ንሓቀኛ ኣምልኾ ዓቢ ዓወት ኢዩ!

12 ዓባይ ባቢሎን: እታ እተፈንፍን ኣመንዝራ: ንዘለኣለም ድሕሪ ምጥፍኣ: ሕጂ ናብታ ንጽህቲ ድንግል መርዓት እቲ ገንሸል ምትኳር ይከኣል ኢዩ! ስለዚ እቶም ሰማያውያን ጭፍራ ብፍስሃ ንየሆዋ ከምዚ ብምባል ውዳሰ ይዝምርሉ:- “መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ: መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ: ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና: ንእኡውን ክብሪ ንሀቦ . . .። ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ።”—ራእይ 19:7, 8

13. ኣብቲ ዝሓለፈ ኵሉ ክፍለ-ዘበናት ንመርዓ ናይቲ ገንሸል እንታይ ምድላዋት ኢዩ እተገብረ፧

13 ኣብቲ ዝሓለፈ ኵሉ ክፍለ-ዘበናት የሱስ ነቲ ሰማያዊ መርዕኡ ፍቕራዊ ምድላው ገይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:20፣ 2 ቈረንቶስ 11:2) ነቶም 144,000 ናይቶም መንፈሳውያን እስራኤል ‘ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዝመስል ዘይብሎም: ብዘይመንቅብ ቅዱሳትን ክቡራትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ከቑሞም’ የንጽሆም ኢዩ ነይሩ። (ኤፌሶን 5:25-27) ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ክርስትያን ነቲ “ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ” ንኽረክብ: ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ተግባራቱ ቀንጢጡ ሓድሽ ክርስትያናዊ ሰብ ክለብስን ናይ ጽድቂ ተግባራት ከኣ ‘ንጐይታ [የሆዋ] ኸም ዝገብሮ: ካብ ልቢ ክገብሮን’ ኣለዎ።—ፊልጲ 3:8, 13, 14፣ ቈሎሴ 3:9, 10, 23

14. ሰይጣን ነቶም ኣባላት መርዓት ክርስቶስ ክዀኑ ዘለዎም ብኸመይ ኢዩ ክብክሎም ዝፈተነ፧

14 ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ሰይጣን ነቶም ኣባላት መርዓት ክርስቶስ ዝዀኑ ንምብካል ንዓባይ ባቢሎን ተጠቕመ። ኣብ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ናይ ባቢሎናዊ ሃይማኖት ዘርኢ ኣብታ ጉባኤ ዘርአ። (1 ቈረንቶስ 15:12፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:18፣ ራእይ 2:6, 14, 20) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም እምነት ዝሓናኹሉ ዝነበሩ በዚ ቓላት እዚ ገለጾም:- “ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት: ዚጥብሩ ዓየይቲ: ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም። ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ: እዚ ኣየገርምን እዩ።” (2 ቈረንቶስ 11:13, 14) ኣብቲ ዝስዓበ ክፍለ-ዘበናት ከሓዲት ህዝበ-ክርስትያን ከምተን ካልኦት ናይ ዓባይ ባቢሎን ክፍሊ: ንገዛእ ርእሳ ናይ ሃብትን መሰልን ዝዀነ ናይ ‘ቀዪሕ ክዳንን ወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቝን’ ክዳውንቲ ተኸድነት። (ራእይ 17:4) ኣቕሽሽታን ጳጳሳታን ምስ ከም ብዓል ቆስጣንጢኖስን ሻርልማኝን ዝኣመሰሉ ጽምኢ ደም ዘሎዎም ሃጸያት ተሰማምዑ። ምስ “ጽድቂ እቶም ቅዱሳት” ፈጺማ ተሰሪዓ ኣይትፈልጥን። ከም ናይ ሓሶት መርዓት መጠን: ቀንዲ ሰይጣን ዝጥቀመላ መስሓቲት ኢያ ነይራ። ኣብ መወዳእትኡ ንዘለኣለም ጠፍአት!

መርዓት እቲ ገንሸል ተዳልያ

15. እቲ ምሕታም ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም: ካብ ሓደ ቅቡእ ክርስትያንከ እንታይ ኢዩ ዝድለ፧

15 ስለዚ ሕጂ ዳርጋ ድሕሪ 2,000 ዓመታት: ኵሎም እቶም ክፍሊ መርዓት ዝዀኑ 144,000 ንገዛእ ርእሶም ኣዳልዮማ ኢዮም። ‘መርዓት እቲ ገንሸል ተዳልያ ኢያ’ ክብሃል ዝኽእል ግን ኣበየናይ እዋን ኢዩ፧ በብግዜኡ: ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ነቲ ዝመጽእ ‘መዓልቲ ምድሓን’ ብምጥማት እቶም ዝኣመኑ ቅቡኣት ‘ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓቲሞም’ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዝገለጾ ኣምላኽ ‘ሓቲሙናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ሂቡናን’ ኢዩ በለ። (ኤፌሶን 4:30፣ 1:13፣ 2 ቈረንቶስ 1:22) ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ክርስትያን ‘ጽዉዕን: ሕሩይን’ ኢዩ ‘እሙን’ ምዃኑ ኸኣ ኣመስኪሩ ኢዩ።—ራእይ 17:14

16. (ሀ) ምሕታም ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ እተወድአ መዓስ ኢዩ: ብኸመይከ ንፈልጥ፧ (ለ) መርዓት እቲ ገንሸል ምሉእ ብምሉእ ‘እትዳሎ’ መዓስ ኢያ፧

16 ንዓሰርተታት ዓመታት ምስ ተፈተነ: ጳውሎስ ከምዚ ክብል ክኢሉ ኢዩ:- “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ: ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ: በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር: ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።” (2 ጢሞቴዎስ 4:7, 8) እቲ ሃዋርያ ገና ብስጋ እኳ እንተነበረ ሰማእትነትውን ገና ከጋጥሞ እንተነበሮ: ምሕታሙ እተወድአ ኢዩ ዝመስል። ብተመሳሳሊ: ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ናይቶም 144,000 በብውልቆም ናይ የሆዋ ከም ምዃኖም መጠን ዝሕተምሉ ግዜ ክመጽእ ኣለዎ። (2 ጢሞቴዎስ 2:19) እዚ ድማ መርዓት እቲ ገንሸል ምሉእ ብምሉእ ምስ ተዳለወት—መብዛሕትኦም ናይቶም 144,000 ድሮ ሰማያዊ ዓስቦም ምስ ረኸቡ: እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኸኣ ንመወዳእታ ከም እሙናት መጠን ስምረት ምስ ረኸቡን ምስ ተሓትሙን—ኢዩ ዝኸውን።

17. መርዓ ናይቲ ገንሸል ክግበር ዝኽእል መዓስ ኢዩ፧

17 እቲ ናይ የሆዋ ምዱብ ግዜ ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጽሐ: ምሕታም ናይቶም 144,000 ምስ ተወድአ: እቶም መላእኽቲ ነቲ ኣርባዕተ ንፋሳት ናይቲ ዓቢ ጸበባ ክፍንውዎ ኢዮም። (ራእይ 7:1-3) መጀመርታ: ኣብ ልዕሊ እታ ኣመንዝራ መሰል ዓባይ ባቢሎን ፍርዲ ክፍጸም ኢዩ። እቲ ዕዉት ክርስቶስ ቀጺሉ ነቲ ዝተረፈ ኣብ ምድሪ ዘሎ ናይ ሰይጣን ማሕበር ንምጥፋእ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ መዓሙቝ ንምእታው ብቕልጡፍ ናብ ኣርማጌዶን ከምርሕ ኢዩ። (ራእይ 19:11–20:3) ገለ ኻብቶም ቅቡኣት ኣብ ምድሪ ብህይወቶም ዝጸንሑ እንተደኣ ዀይኖም: ክርስቶስ ስዕረቱ ምስ ፈጸመ ብኡንብኡ ናብቲ ሰማያዊ ዓስቦም ክኣትዉ: ምስቶም ብጾቶም ዝዀኑ ኣባላት እታ ብጕጅለ ዝቘመት መርዓት ከኣ ክሓብሩ ኢዮም። ሽዑ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ: መርዓ ናይቲ ገንሸል ክግበር ይኽእል!

18. ብዛዕባ መስርዕ ፍጻመታት መርዓ ናይቲ ገንሸል: መዝሙር 45 ብኸመይ የረጋግጽ፧

18 እቲ ኣብ መዝሙር 45 ዘሎ ትንቢታዊ ጸብጻብ ነዚ መስርዕ ፍጻመታት እዚ የረጋግጽ። መጀመርታ እቲ ዝነገሰ ንጉስ ጸላእቱ ንኽስዕር ይወጽእ። (ቍጽሪ 1-7) ካብኡ: እታ ሰማያዊት መርዓት በቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ደናግል ብጾታ ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ተሰንያ እቲ መርዓ ይግበር። (ቍጽሪ 8-15) ብድሕርዚ: ካብ ምዉታት ዝተንስአ ወድሰብ ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ናይቶም ‘ኣብ ብዘላ ምድሪ መሳፍንቲ’ ዝዀኑ ናብ ፍጽምና ምስ በጽሐ እቲ መርዓ ፍረ ዘለዎ ይኸውን። (ቍጽሪ 16, 17) ኣየ ከመይ ዝበለ ግርማዊ በረኸታት ኰን ኢዩ ንመርዓ ናይቲ ገንሸል ዘሰንዮ!

እቶም እተዓደሙ ብጹኣን ኢዮም

19. ካብተን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘለዋ ሸውዓተ ሓጐስ እታ ራብዐይቲ እንታይ ኢያ: ኣብዚ ፍሉይ ሓጐስ እዚኸ መን ኢዩ ዝካፈል፧

19 ዮሃንስ ሕጂ ካብተን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘለዋ ሸውዓት ሓጐስ: ናይታ ራብዐይቲ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል የቕርብ:- “ንሱ ኸኣ፤ [እቲ እዚ ነገራት እዚ ንዮሃንስ ዝገልጸሉ ዝነበረ መልኣኽ] እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዐደሙ ብጹኣን እዮም: ጽሐፍ: በለኒ። ንሱውን: እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ: በለኒ።” (ራእይ 19:9) d ናብ “ድራር መርዓ እቲ ገንሸል” እተዓደሙ እቶም ኣባላት ክፍሊ መርዓት ኢዮም። (ምስ ማቴዎስ 22:1-14 ኣረኣእዮ።) ኵሎም እቶም ቅቡኣት ናይ መርዓት ብጾት: እዚ ዕድመ እዚ ብምቕባሎም እቲ ሓጐስ ይካፈልዎ ኢዮም። መብዛሕትኦም ዕዱማት ናብ ቦታ ናይቲ ድራር: ኣብ ሰማይ ከይዶም ኢዮም። እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ እውን ዕዱማት ብምዃኖም ሕጕሳት እዮም። ኣብቲ ናይ መርዓ ድራር ዘለዎም ቦታ ርጉጽ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:1-3፣ 1 ጴጥሮስ 1:3-9) እዚኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ተንስኡ ብኹላ እታ ሕብርቲ መርዓት: ኣብቲ ኣዝዩ ሕጕስ መርዓ ምስቲ ገንሸል ክትካፈል ኢያ።

20. (ሀ) ትርጕም ናይቲ “እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ” ዝብል ቃላት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቃላት ናይቲ መልኣኽ ንዮሃንስ ብኸመይ ተንከፎ: መልሲ ናይቲ መልኣኽከ እንታይ ነበረ፧

20 እቲ መልኣኽ “እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ” ብምባል ይውስኽ። እዛ “ሓቂ” እትብል ቃል ትርጕም ናይታ ኣ·ለ·ቲ·ኖስʹ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኢያ: ትርጕማ ኸኣ “ቅኑዕ” ወይ “ትውክልቲ ዝግበሮ” ማለት ኢዩ። እዚ ኣበሃህላታት እዚ ብሓቂ ካብ የሆዋ ስለ ዝዀነ: እሙንን ትውክልቲ ዝግበሮን ኢዩ። (ምስ 1 ዮሃንስ 4:1-3፣ ራእይ 21:5፣ 22:6 ኣረኣእዮ።) ዮሃንስ ኣብቲ ናይ መርዓ ድግስ ከም እተዓደመ መጠን: ነዚ ብምስምዑን ብዛዕባ እቲ ንኽፍሊ እታ መርዓት ተዳልዩሉ ዘሎ በረኸታት ብምስትንታኑን ብሓጐስ መሊኡ ክኸውን ኣለዎ። ስምዒቱ ኣጸቢቑ ስለ እተለዓዓለ እቲ መልኣኽ ምኽሪ ክህቦ ኣድለየ: ዮሃንስ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ኣነ ኸኣ: ክሰግደሉ ኢለ: ናብ ቅደሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ: ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። . . . ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዚሕዙ ዘለዉ አሕዋትካን ባርያ እየ: ንኣምላኽ ደኣ ስገደ: በለኒ።”—ራእይ 19:10

21. (ሀ) መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ መላእኽቲ እንታይ ኢያ እተብርህ፧ (ለ) ክርስትያናት ኣብ መላእኽቲ እንታይ ኣረኣእያ ክህልዎም ኢዩ ዝግባእ፧

21 ኣብ ብምልእታ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ ተኣማንነትን ትግሃትን ናይቶም መላእኽቲ ግሁድ ምስክርነት ተዋሂቡ ኢዩ። ኣብ መትረብ ናይቲ ዝበርሀ ሓቂ እቱዋት ኢዮም። (ራእይ 1:1) ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽን ነቲ ምሳልያዊ መዓት ኣብ ምፍሳስን: ምስ ሰባት ሓቢሮም ይዓዩ። (ራእይ 14:6, 7፣ 16:1) ንሰይጣንን መላእኽቱን ካብ ሰማይ ንምድርባይ ኣብ ጎድኒ የሱስ ኰይኖም ተዋጊኦም ኢዮም: ኣብ ኣርማጌዶን እውን እንደገና ኣብ ጎድኑ ኰይኖም ክዋግኡ ኢዮም። (ራእይ 12:7፣ 19:11-14) ብርግጽ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክቐርቡ ይኽእሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 18:10፣ ራእይ 15:6) እንተዀነ ግን: ትሑታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣይሓልፉን ኢዮም። ናይ መላእኽቲ ኣምልኾ ወይ ብገለ “ቅዱሳት” ወይ መላእኽቲ ኣቢሉ ናብ ኣምላኽ ዝቐርብ ተዛማዲ ኣምልኾ ኣብቲ ንጹህ አምልኾ ቦታ የብሉን። (ቈሎሴ 2:18) ክርስትያናት ልማኖኦም ብስም የሱስ እናኣቕረቡ: ንየሆዋ ጥራይ ኢዮም ዘምልኹ።—ዮሃንስ 14:12, 13

ግደ የሱስ ኣብ ትንቢት

22. እቲ መልኣኽ ንዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝብሎ: እቲ ቓላትከ እንታይ ማለት ኢዩ፧

22 ብድሕርዚ እቲ መልኣኽ ከምዚ ይብል:- “ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ።” (ራእይ 19:10) ከመይ ኢሉ ኢዩ ከምኡ ዝኸውን፧ እዚ ኸኣ ኵሉ ትንቢት ብምኽንያት የሱስን በቲ ንሱ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደን ኢዩ ተላዓዒሉ ማለት ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናይ መጀመርታ ትንቢት ምምጻእ ናይ ሓደ ዘርኢ ተመባጽዐ። (ዘፍጥረት 3:15) የሱስ እቲ ዘርኢ እቲ ኰነ። ተኸታታሊ ምግላጽ ከኣ ኣብዚ መሰረታዊ መብጽዓ እዚ እተሰርሐ ሓደ ዓቢ ህንጻ ናይ ትንቢታዊ ሓቂ ኣቘመ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ካብ ኣህዛብ ዝኣመነ ቆርኔሌዎስ “ኵሎም ነብያት [ንየሱስ] ይምስክሩሉ አለዉ” በሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:43) ገለ 20 ዓመታት ጸኒሑ: ሃዋርያ ጳውሎስ “ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ [ኣብ የሱስ] እወ እዩ” በለ። (2 ቈረንቶስ 1:20) ድሕሪ ካልእ 43 ዓመት ከኣ: ዮሃንስ ባዕሉ ‘ሓቂ ብየሱስ ክርስቶስ መጸ’ በለ።—ዮሃንስ 1:17

23. እቲ ናይ የሱስ ልዑል ቦታን ስልጣንን ካብቲ ንየሆዋ እንህቦ ኣምልኾ ዘዛናብል ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧

23 እዝስ ካብቲ ንየሆዋ እንህቦ ኣምልኾ ዘዘናብል ድዩ፧ ኣይፋሉን: ነቲ “ንኣምላኽ ደኣ ስገድ” ዝብል ናይቲ መልኣኽ ናይ መጠንቀቕታ ምኽሪ ዘክርዎ። የሱስ ንየሆዋ ክጻረር ፈጺሙ ፈቲኑ ኣይፈልጥን ኢዩ። (ፊልጲ 2:6) ሓቂ ኢዩ: ኵላቶም መላእኽቲ ‘[ንየሱስ] ክሰግዱሉ’ ተነጊሮም ኢዮም: ፍጥረት ከኣ “ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ” እቲ ዘለዎ ልዑል ቦታ ኣፍልጦ ክህብ ኣለዎ። እዚ “ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ” ከምኡውን ብናቱ ትእዛዝ ከም ዝኸውን ግን ኣስተውዕል። (እብራውያን 1:6፣ ፊልጲ 2:9-11) የሆዋ ንየሱስ እቲ ዝለዓለ ስልጣኑ ሂብዎ ኢዩ: ነዚ ስልጣን እዚ ኣፍልጦ ብምሃብ ከኣ ንኣምላኽ ኢና ክብሪ እንህብ። ንግዝኣት የሱስ ምእዛዝ ምእባይ: ንየሆዋ ምስ ምንጻግ ሓደ ኢዩ።—መዝሙር 2:11, 12

24. እንታይ ክልተ ዘገርም ፍጻመ ኢና እነስተንትነሉ: ስለዚኸ እንታይ ቃላት ኢና ከነድሂ ዝግብኣና፧

24 ስለዚ እምበኣር ነቲ “ሃሌሉያ” ዝብል መኽፈቲ ቃላት ናይ መዝሙር 146 ክሳዕ 150 ሓቢርና ነድህዮ። እቲ ናይ ሃሌሉያ ሓባራዊ መዝሙር ከኣ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዛ ባቢሎናዊት: ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክዕወት ትጽቢት እናተገብረ ኸሎ: ከም ነጐዳ ዝስማዕ ይግበሮ! መርዓ እቲ ገንሸል እናቐረበ ብዝኸደ መጠን ከኣ ሓጐስ ዝበዝሕ ይግበሮ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a እግረ-ጽሑፍ ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ።

b እግረ-ጽሑፍ ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ።

c እግረ-ጽሑፍ ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ

d ራእይ 1:3፣ 14:13፣ 16:15 እውን ርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 273 ዘሎ ሳጹን]

“መልእኽቲ ናብ ሶዶምን ጐመራን”

ኣብ ትሕቲ እዚ ቀንዲ ኣርእስቲ እዚ: እቲ ናይ 12 ሕዳር 1987 ናይ ለንደን ደይሊ ቴሌግራፍ ጸብጻብ ናይቲ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ዘሕለፎ ውሳነ ኣቕረበ። እዚ ውሳነ እዚ ንግብረ ሶዶም ዝገብሩ “ክርስትያናት” ካብ ቤተ-ክርስትያን ምብራር ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። ጻሓፍ ዓምዲ ጐድፍረይ ባርከር ከምዚ በለ:- “እቲ ናይ ካንተርቡሪ ሊቀ ጳጳስ ትማሊ ብሓዘን ሓሳቡ ክገልጽ ከሎ: ‘ቅዱስ ጳውሎስ ንቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ መልእኽቲ እንተ ዝጽሕፈላ: እንታይ ዓይነት መልእኽቲ ዀን ምጸሓፈላ ኢልና ክንሓትት ሰናይ ኢዩ’ በለ።” ሚስተር ባርከር ባዕሉ ከምዚ ኢሉ ሓሳብ የቕርብ:- “እቲ መልሲ መልእኽቲ ናብ ሰዶምን ጐመራን ኢዩ:” ወሲኹ ከኣ “ዶ/ክ ራንሲ [እቲ ሊቀ ጳጳስ] ምስ ሮሜ ምዕራፍ 1 ዝመሳሰል ምዀነ ነይሩ በለ።”

እቲ ጸሓፊ ነቲ ኣብ ሮሜ 1:26-32 ዘሎ ቃላት ጳውሎስ ጠቐሰ:- “ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። . . . ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ: . . . እዚኣቶም: ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም: ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ: ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ አለዉ እምበር: ዚገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።” “ቅዱስ ጳውሎስ: ብዛዕባ ኵነታት ናይቶም ምእመናን ኢዩ ዝጭነቕ ነይሩ። ዶክተር ራንሲ ግን ብዛዕባ እቶም ኣብ መድረኽ ኰይኖም ዝሰብኩ ኢዩ ዝጭነቕ” ብምባል ደምደመ።

እቲ ሊቀ ጳጳሳት ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግር ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብ ናይ 22 ጥቅምቲ 1987 ደይሊ መይል ብዓቢ ፊደላት ተጻሒፉ ዝወጸ ኣርእስቲ ከምዚ በለ:- “‘ካብ ሰለስተ ሓደ ቀሺ: ግብረ ሶዶም ዝፍጽም ኢዩ’: . . . ንግብረ ሰዶም ዝፍጽሙ ንምስጓግ ዝግበር ወፈራ ‘ንቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ መዕጸዋ ነይሩ።’” እቲ ጸብጻባት: እቶም ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ግብረ ሶዶም ዝፍጽሙ ናይ ክርስትያን ምንቅስቓስ “ብጹእ” ጠቕላላ ጸሓፊ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ከም እተዛረበ ጠቒሱ ኣሎ:- “እዚ ውሳነ እዚ ተቐባልነት እንተድኣ ረኺቡ ቤተ-ክርስትያን ክትዓኑ ኢያ: እቲ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ካንተርበሪ ኸኣ ነዚ ይፈልጦ ኢዩ። ሓፈሻዊ ቍጽሪ እንተድኣ ወሲድና ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ካብ 30 ክሳዕ 40 ሚእታዊት ግብረ ሶዶም ዝፍጽሙ ምዃኖም ኢና ንኣምን። እቶም ቀንዲ ንቤተ-ክርስትያን ኣገልግሎት ዘቕርቡ ዘለዉ ኸኣ ንሳቶም ኢዮም።” ቍጽሪ ናይቶም ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ዘንቈልቍል ዘሎ: ኣገልግሎት ናይ ግብረ ሶዶም ዝፍጽሙ ሰባት እናዓምበበ ምኻዱ ኣፈንፊንዎም ምዃኑ ኣየጠራጥር ኢዩ።

እቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሲኖዶስ እንታይ ወሰነ፧ ዝበዝሑ ካብቶም 388 ኣባላት (95 ካብ ሚእቲ ናይቶም ኣቕሽሽቲ) ሓደ ልምልም ዝበለ ውሳነ ኣሕለፉ። ብዛዕባ እዚ: እቲ ናይ 14 ሕዳር 1987 ዘ ኤኮኖሚስት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ኣቕረበ:- “ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ብዙሕ ደኣ ኣይኰነን እምበር ንግብረ ሶዶም ትቃወሞ ኢያ። እቲ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ባይቶ ዝዀነ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ: ነቶም ግብረ ሶዶም ዝፍጽሙ ኣቕሽሽቲ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ኣብዚ ሰሙን እዚ: ግብረ ሶዶም ከም ምንዝርን ዝሙትን ሓጢኣት ኣይኰነን: ካብቲ ‘ኣብ ነባሪ ናይ መርዓ ዝምድና ዘሎ ግቡእ ጾታዊ ርክብ ብቝሩብ ዝንእስ’ ጥራይ ኢዩ ክብሉ ወሲኖም።’” ነቲ ናይ ካንተርቤሪ ሊቀ ጳጳስ ኣቕዋም ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 1:26, 27 ብጋህዲ ኣስፊርዎ ዘሎ ቓላት ብምንጽጻር ዘ ኤኮኖሚስት ኣብ ልዕሊ እቲ “ቅዱስ ጳውሎስ ዝሓስቦ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ” ዝብል ሕጽር ዝበለ መግለጺ: ጥቕሲ ናይተን ጳውሎስ ዝበለን ቃላት ኣዳለወ።

የሱስ ክርስቶስውን ዝሓስቦ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: ብንጹር ቃላት ከኣ ገለጾ። ካብቶም ንመልእኽቱ ዝነዓቕዎ ሃይማኖታውያን ‘ብመዓልቲ ፍርዲ ንምድሪ ሶዶም ከም ዝቐልል’ ገለጸ። (ማቴዎስ 11:23, 24) የሱስ: ኣብዚ እቶም ንወዲ ኣምላኽን ንትምህርቱን ዝነጸጉ ሃይማኖታውያን ካብቶም ኣብ ሰዶም ዝነበሩ ብዝያዳ ተወቀስቲ ከም ዝነበሩ ንኸርኢ ኢዩ ኣጋንኖ ዝጥቀም ነይሩ። ይሁዳ ቍጽሪ 7 እቶም ኣብ ሶዶም ዝነበሩ “ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ማለት ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ከም ዝወረደን ይዛረብ ኢዩ። (ማቴዎስ 25:41, 46) እቲ ፍርዲ ኣብቶም ክርስትያን ኢና ዝብሉ ነቶም ዝዓወሩ መጓሰኦም ከኣ ካብቲ ስነ-ምግባራዊ መዐቀኒታት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ናብቲ ሸለል ብሃልን ርኹስን መገድታት ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝመርሑ መራሕትስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዝመረረ ክኸውን ኢዩ! (ማቴዎስ 15:14) ብዛዕባ ዓባይ ባቢሎን እታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ሓደ ካብ ሰማይ ዝመጽእ ድምጺ ብህጹጽ ከምዚ ይብል:- “ኣቱም ህዝበይ: . . . ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ።”—ራእይ 18:2, 4

[ኣብ ገጽ 275 ዘሎ ስእልታት]

ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ዓወት ንያህ እናወደሰ: ሰማይ ኣርባዕተ ግዜ ሃሌሉያ ብምባል የቃልሕ