ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት ኣሎዶ፧

ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት ኣሎዶ፧

ምዕራፍ 11

ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት ኣሎዶ፧

ሳርዴስ

1. መንፈሳዊ ኵነታት ናይታ ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ጉባኤ ከመይ ኢዩ: የሱስከ መልእኽቱ ብኸመይ ኢዩ ዝጅምራ፧

 ገለ 48 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ብደቡብ ናይዛ ዘመናዊት ኣኪሳር (ትያቲራ): እታ ቀጺላ ካብቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ መልእኽቲ እተቐበለት ጉባኤ: ሳርዴስ ትርከብ። ኣብ ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅድሚ ኣቆጻጽራ ዘበንና እዛ ከተማ እዚኣ ናይ ጥንታዊት መንግስቲ ልድያ ብልጽግቲ ዋና-ከተማ ከምኡውን መንበረ-ንግስና ናይቲ አዝዩ ሃብታም ዝነበረ ንጉስ ክረሰስ ነበረት። ብግዜ ዮሃንስ እታ ከተማ ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ወዲቓ ነበረት: እቲ ብግዜ ንጉስ ክረሰስ ዝነበራ ብልጽግና ኸኣ ታሪኽ ጥራይ ኰይኑ ተረፈ። ብተመሳሳሊ እታ ኣብኡ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብመንፈስ ደኸየት። የሱስ ንመጀመርታ ግዜ መልእኽቱ ብናይ ናእዳ ቃላት ኣይጀመረን። ኣብ ክንድኡ ግን ከምዚ ይብል:- “ናብ መልኣኽ ማሕበር [“ጉባኤ:” NW] ሳርዴስውን ጽሐፍ፤ እቲ: ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሾብዓተ ከዋኽብትን ዘለውዎ: ከምዚ ይብል አሎ፤ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ: ህያው ተብሂልካ ትስመ አሎኻ: ግናኸ ምዉት ኢኻ።”ራእይ 3:1

2. (ሀ) የሱስ “ሾብዓተ መናፍስቲ” ዘለዎ ምዃኑ ነታ ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ጉባኤ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ (ለ) ጉባኤ ሳርዴስ እንታይ ስም ነበራ: እቲ ናይ ሓቂ ኵነታታ ግን እንታይ ነበረ፧

2 የሱስ ንገዛእ ርእሱ ‘ሾብዓተ መናፍስቲ ከም ዘለዎ’ ገይሩ ዘፋለጣ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ እዞም መናፍስቲ እዚኣቶም ነቲ መሊኡ ዝውሕዝ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ዘመልክቱ ኢዮም። ጸኒሑ ኸኣ ዮሃንስ ከም ‘ሾብዓተ ዓይኒ’ ኢሉውን ገሊጽዎም ኣሎ: እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንየሱስ ዝሃቦ ውሽጢ ናይ ምርኣይ ክእለት የመልክት። (ራእይ 5:6) ስለዚ: ከጋጥም ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ኵነታት ክቐልዕን ከጣጥእን ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 10:26፣ 1 ቈረንቶስ 4:5) ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ጉባኤ ህያውን ንጥፈት ዘለዋን ምዃና ይዝረበላ ነበረ። የሱስ ግን ብመንፈስ ዝሞተት ከም ዝዀነት ክርእያ ይኽእል ኢዩ። ዝበዝሑ ካብ ኣባላታ ኣብቲ ክርስትያናት ቅድሚ ምዃኖም ዝነበሮም ዘይተገዳስነት ተመሊሶም ከም ዝነበሩ ንጹር ኢዩ።—ምስ ኤፌሶን 2:1-3፣ እብራውያን 5:11-14 ኣረኣእዮ።

3. (ሀ) “መልኣኽ ጉባኤ ሳርዴስ” የሱስ ‘ሾብዓተ ከዋኽብቲ’ ከም ዘለዎ ፍሉይ ምስትብሃል ክገብረሉ ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ነታ ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ጉባኤ እንታይ ብርቱዕ ምኽሪ ኢዩ ዝሃባ፧

3 የሱስ እቲ ‘ሾብዓተ ከዋኽብቲ’ ዘለዎ ከም ዝዀነ ን“መልኣኽ ጉባኤ ሳርዴስ” ባዕሉ የዘኻኽሮ። ነቶም ሽማግለታት ጉባኤ ኣብቲ ዕዮ ጕስነቶም ክመርሖም ስልጣን ስለ ዘለዎ: ኣብ የማናይ ኢዱ ይሕዞም። ልቦም ‘ሃለዋት ኣባጊዖም ኣጸቢቖም ንኽፈልጡ’ ከዳልውዎ ይግባእ። (ምሳሌ 27:23) ስለዚ ኸኣ: ነቲ የሱስ ቀጺሉ ዝብሎ ተጠንቂቖም ክሰምዕዎ ነበሮም:- “ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ: ንቑሕ ኩን: ነቶም ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም። ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር: ሐልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቓሕካ ግና: ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ: በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ።”ራእይ 3:2, 3

4. እታ ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ጉባኤ ‘ነቶም ካልኦት ከተበርትዕ’ ቃላት ጴጥሮስ ብኸመይ ይሕግዛ፧

4 ሽማግለታት ሳርዴስ: ነቲ ብመጀመርታ ሓቂ ምስ ተማህሩ ዝነበሮም ሓጐስን ዝረኸብዎ በረኸታትን ክዝክሩ የድልዮም ነበረ። ሕጂ ግን ብመንፈሳዊ ዕዮታት ሞይቶም ኢዮም። ግብሪ እምነት ስለ ዝጐድሎም ናይ ጉባኤ ቀንዴሎም ጭልምልም ኢያ ትብል ዘላ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ሃዋርያ ጴጥሮስ ነተን ኣብ እስያ ዝነበራ ጉባኤታት (ምናልባት እንተላይ ሳርዴስ) ነቲ ክርስትያናት እተቐበልዎ ኣብቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ትርኢት ብሾብዓተ መናፍስቲ ተመሲሉ ዘሎ “ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ” እተሰብከ ክቡር ብስራት ሞሳኦም ከዕብዩ ጽሒፉሎም ነበረ። ጴጥሮስ ነቶም ኣብ እስያ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ደግነት እቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝጸውዖም ምእንቲ ኽነግሩ: ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ’ ምዃኖም እውን ኣዘኻኸሮም። (1 ጴጥሮስ 1:12, 25፣ 2:9) ብኸምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ሓቅታት ምስትንታን ነታ ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ጉባኤ ክትንሳሕ ከምኡውን ‘ነቶም ካልኦት ከተበርትዕ’ ክሕግዛ ኢዩ።—ምስ 2 ጴጥሮስ 3:9 ኣረኣእዮ።

5. (ሀ) እቶም ኣብ ሳርዴስ ዝነበሩ ክርስትያናት ሞስኦም እንታይ ረኸቦ፧ (ለ) እቶም ኣብ ሳርዴስ ዝነበሩ ክርስትያናት ንምኽሪ የሱስ እንተ ዘይመለስሉ እንታይ ክወርዶም ኢዩ፧

5 ኣብቲ ግዜ እቲ: ንሓቂ ዝነበሮም ሞሳን ፍቕርን ዳርጋ ዝጠፍአ ሓዊ ኰይኑ ነበረ። ሒደት ረመጽ ጥራይ ኢዩ ዝነድድ ነይሩ። የሱስ ድማ ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ቁልዒ ከምበድብዱ: ነቲ ሓዊ ከናኽሱ: ካብቲ ሸለልትነቶም ኣውዲቕዎም ዝነበረ ሓጢኣት ክናስሑ: ከምኡውን እንደገና ብመንፈስ ህያው ዝዀነት ጉባኤ ክዀኑ የተባብዖም። (ምስ 2 ጢሞቴዎስ 1:6, 7 ኣረኣእዮ።) እንተዘይኰነ ግን: የሱስ ብሃንደበት—“ከም ሰራቒ”—ፍርዱ ክህብ ክመጽእ ከሎ: እታ ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ጉባኤ ከይተቐረበት ክትጸንሕ ኢያ።—ማቴዎስ 24:43, 44

“ከም ሰራቒ” ምምጻእ

6. የሱስ ብ1918 “ከም ሰራቒ” ዝመጸ ብኸመይ ኢዩ: ኣብ መንጎ እቶም ሰዓብቱ ዝበሃሉኸ እንታይ ኵነታት ኢዩ ዝረኸበ፧

6 “ከም ሰራቒ” ምምጻእ ዝብል መጠንቀቕታ ናይ የሱስ: ክሳዕ እዚ ዘመናዊ ግዜ ዝበጽሕ ኢዩ። ነቶም ኣብ መዓልቲ ጐይታ ብህይወቶም ዝጸንሑ ክርስትያናት ፍሉይ መፈጸምታ ነበሮ። ድሕሪ 1914 ቀልጢፉ: “ብኡብኡ ኸኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ: እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቃል ኪዳን እንሆ: ይመጽእ አሎ: ይብል እግዚአብሄር ጐይታ ሰራዊት” ዝብል ትንቢት ሚልክያስ ክፍጸም ጀመረ። (ሚልክያስ 3:1፣ ራእይ 1:10) የሱስ ከም “መልአኽ ቃል ኪዳን” ኰይኑ ነቶም ሰዓብቱ ኢና ዝብሉ ክምርምርን ክፈርድን መጸ። (1 ጴጥሮስ 4:17) ኣብቲ ግዜ እቲ: ማለት ብ1918 ህዝበ-ክርስትያን ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ምፍሳስ ደም ተኣሊኻ ኢያ ነይራ: ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ኸኣ ፈጺማ ሞይታ ነበረት። እቶም ቅድሚ እቲ ውግእ ብህርኩት መንፈስ ዝሰብኩ ዝነበሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ከይተረፉ መንፈሳዊ ምብዕዛዝ ኣሕሊፎም ኢዮም። ገለ ኻብቶም ቀንዲ ሽማግለታቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣተዉ: ዕዮ ስብከትውን ዳርጋ ኣቋረጸ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ዓመት መንፈስ የሆዋ ነዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ምስ ኣነቓቕሖም: ድሉዋት ዝነበሩ ኵሎም ኣይኰኑን። ገሊኦም ከምተን ኣብ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ዘለዋ ዓያሱ ደናግል: ነቲ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎ መሰል ንምፍጻም ብመንፈስ ከይተዓጥቁ ጸንሑ። ከምተን ለባማት ደናግል ኰይኖም: ነቲ የሱስ ዝሃቦ “መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ” ዝብል መጠንቀቕታ ዘቕልብሉ ብዙሓት ምንባሮም ግን ዘሐጕስ ኢዩ።—ማቴዎስ 25:1-13

7. ሎሚ ክርስትያናት ንቑሓት ኰይኖም ክቕጽሉ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧

7 እቲ ንሓደ ክርስትያን ንቑሕ ናይ ምዃን ዘለዎ ኣድላይነት: ኣብቲ ፈለማ ናይ መዓልቲ ጐይታ ኣይተወድአን። ኣብቲ ብዛዕባ ‘እዚ ዅሉ መዓዝ ከም ዝፍጸም: ትእምርቱ’ እንታይ ምዃኑ ዝገልጽ ዓቢ ትንቢቱ: የሱስ ከምዚ ኢሉ ብርቱዕ መጠንቀቕታ ይህብ:- “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና . . . ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን። እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑን ጸልዩን። እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፤ ንዅሉ እብሎ አሎኹ: ንቕሑ።” (ማርቆስ 13:4, 32, 33, 37) እወ: ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ: ነፍሲ ወከፍና: ካብቶም ቅቡኣት ንዅን ወይስ ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ንቑሓት ክንከውንን: ኣብ መንፈሳዊ ድቃስ ምእንቲ ከይንወድቕ ከኣ ክንቃለስን ኣሎና። መዓልቲ የሆዋ “ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ” ክትመጽእ ከላ: ጽቡቕ ፍርዲ ምእንቲ ክንረክብ ምሉእ ብምሉእ ነቒሕና ንጸንሕ ይግበረና።—1 ተሰሎንቄ 5:2, 3፣ ሉቃስ 21:34-36፣ ራእይ 7:9

8. ሎሚ እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈስ ህያዋን ኰይኖም ምእንቲ ክቕጽሉ ብኸመይ ኢዩ ዘበራብሮም ዘሎ፧

8 ሎሚ እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈስ ህያዋን ኰይኖም ምእንቲ ኽቕጽሉ: ናይ ምብርባሮም ኣድላይነት ነቒሑሉ ኢዩ ዘሎ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ፍሉይ ኣኼባታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዙሕ ግዜ ይዳለዉ ኢዮም። ኣብዚ ቀረባ ዓመት: 2,981 ኣውራጃዊ ኣኼባታት ተገይሩስ 10,953,744 ተኣከብቲ ነይሮም: ኣብኡ ኸኣ 122,701 ሓደስቲ ኣመንቲ ተጠምቁ። እዚ ክፍሊ ዮሃንስ ስም የሆዋን ዕላምኡን ንምእዋጅ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሙ ኢዩ። ብምኽንያት ናይቲ ኣብቲ ዝሓለፈ ክልተ ውግኣት ዓለም ዝወረደ መሪር መስጐግቲ ድማ ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “እቶም ዘይፈርሁ ብሩኻት ኢዮም” (1919) “ስጕምቲ ንምውሳድ እተገብረ ጻውዒት” (1925) “መስጐግቲ ተሳዒሩ” (1942) ዝብል ኣርእስትታት ዝሓዘ ዓንቀጻት ብምውጻእ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓድሽ ቅንኢ ኣለዓዓሎም።

9. (ሀ) ኵሎም ክርስትያናት ንገዛእ ርእሶም እንታይ ኢሎም ክሓቱ ይግባእ፧ (ለ) ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ መተባብዒ ሃበ፧

9 ከምቲ ናይ ሳርዴስ: ኣብዘን ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት እውን ኵሎም ክርስትያናት ቀጻሊ ርእሰ-መርመራ ክገብሩ ኣድላዪ ኢዩ። ኵላትና ንገዛእ ርእስና ብቐጻሊ ከምዚ ኢልና ክንሓትት ይግባእ:- ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ዕዮና ምሉእ ድዩ፧” ንኻልኦት ከይፈረድና: ብብሕትና መንፈስ ናይ ርእሰ-መስዋእትነት እንኹስኵስ ከምኡውን ንኣምላኽ ናይ ምሉእ ነፍስና ኣገልግሎት ንኽንህብ እንጽዕር ዲና፧ ምስ እዚ እተተሓሓዘ ግምቢ ዘብዐኛ “ርእስኹም መርምሩ” ከምኡውን “ድሕሪ ሕጂ ንርእስና ኣይንነብርን” ዝብል ኣርእስትታት ብምግላጽ ምትብባዕ ሂቡ ኢዩ። a ከምዚ ዝበለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ረዲአት ካብ ዝህልወና: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናና ሓሊና ብትሕትናን ጸሎትን ክንመላለስ እናፈተንና ውሽጥና ኣዕሚቝና ንመርምር።—መዝሙር 26:1-3፣ 139:23, 24

“ሒደት ስማት”

10. የሱስ ኣብታ ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ጉባኤ እንታይ ዘተባብዕ ነገር ኢዩ ዘስተብሃለ: እዚኸ ንዓና ብኸመይ ክትንክፈና ይግብኦ፧

10 እተን የሱስ ቀጺሉ ነታ ኣብ ሳርዴስ ዝነበረት ጉባኤ ዝበለን ቃላት ኣዝየን ዘተባብዓ ኢየን። ከምዚ ይብል:- “ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ስማት አለዉኻ: ንሳቶም ብቑዓት እዮም እሞ: ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም። እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ: ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ: ኣብ ቅድሚ አቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ።” (ራእይ 3:4, 5) እዘን ቃላት እዚአንሲ እሙናት ንኽንከውን ዘለዓዕላናን ውሳነና ኸኣ ዘደልድላልናንዶ ኣይኰናን፧ ብሰንኪ ሸለልትነት ናይ ኣካል ሽማግለታት ጉባኤ ብምልእታ ኣብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ድቃስ ክትወድቕ ትኽእል ኢያ። ምስናይዚ ግን: ገለ ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋት: ክርስትያናዊ መንነቶም ንጹህን ዘይተበላሸወን ገይሮም ንኽሕዙ ስለ ዝጽዕሩ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ስም ሒዞም ይቕጽሉ ኢዮም።—ምሳሌ 22:1

11, 12. (ሀ) ብግዜ እቲ ዓቢ ክሕደትውን ይኹን: ገለ ከምቶም ናይ ሳርዴስ እሙናት ዝነበሩ “ሒደት ስማት” ዝዀኑ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧ (ለ) እቶም ስርናይ-መሰል ዝዀኑ ክርስትያናት ብመዓልቲ ጐይታ እንታይ ዕረፍቲ ኢዮም ዝረኸቡ፧

11 እወ: እቲ “ኽዳውንቲ” ነቲ ሓደ ሰብ ከም ክርስትያን መጠን ዘለዎ ጻድቕ መንነት የመልክት። (ምስ ራእይ 16:15፣ 19:8 ኣረኣእዮ።) ምንም እኳ መብዛሕትኦም ዘይግደሱ እንተነበሩ: “ሒደት ስማት”: እዚ ኸኣ ሒደት ካብቶም ኣብ ሳርዴስ ዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት ነዚ መንነት እዚ ክሕዙ ምኽኣሎም ንየሱስ ባህ አቢልዎ ክኸውን ኣለዎ። ብተመሳሳሊ: ኣብቲ ነዊሕ ክፍለ-ዘበናት ናይቲ ዓቢ ክሕደት: እቶም ክርስትያናት ዝበሃሉ ኣብ ዓባይ ባቢሎን እታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተዋሒጦም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣንጻር እቲ ዝነበረ ዓበይቲ ስግንጢራት እናተቓለሱ ፍቓድ የሆዋ ዝገበሩ ገለ ሒደት ውልቀ-ሰባት ኵሉ ግዜ ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። እዚኣቶም ብናይ ኣንቆራነት ክርዳድ እተዓብለሉ ጻድቃን ከም ጽሩይ ስርናይ ነበሩ።—ራእይ 17:3-6፣ ማቴዎስ 13:24-29

12 የሱስ “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ” ምስ እዞም ስርናይ መሰል ክርስትያናት ክኸውን ከም ዝዀነ ቃል ኣትዩ ኢዩ። ንሳቶም መን ምዃኖምን እንታይ ዓይነት ጽቡቕ ስማት ንገዛእ ርእሶም ከም ዝገበሩን ይፈልጥ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:20፣ መክብብ 7:1) ሓጐስ ናይቶም ብመዓልቲ ጐይታ ዝጸንሑ “ሒደት” እሙናት እሞ ሕሰቦ! ኣብ መወዳእታ ኸኣ ካብታ ብመንፈስ ዝሞተት ህዝበ-ክርስትያን ተፈልዮም: ኣብ ሓንቲ ነታ ኣብ ስሚርና ዝነበረት ጉባኤ እትመስል ጻድቕ ጉባኤ ተኣከቡ።—ማቴዎስ 13:40-43

13. ነቶም “ክዳውንቶም ዘይጸየቑ” ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ በረኸታት ኢዩ ተዓቚሩሎም ዘሎ፧

13 ኣብ ሳርዴስ: እቶም ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ኰይኖም ነቲ ክርስትያናዊ መንነቶም ዘየቋማጥዑ ሓደ ዘደንቕ ተስፋ ክፍጸም ክርእዩ ኢዮም። መሲሓዊት መንግስቲ የሱስ ብ1914 ምስ ቈመት ድማ: መንፈሳዊ ህይወት ንኽረኽቡ ብምትንሳእ ንምልክት ናይቲ ጎዶሎ ዘይብሉን ብዘይ መንቅብን ዝዀነ ጽድቆም ከም ሰዓርቲ መጠን ጻዕዳ ክዳውንቲ ተኸድኑ። በታ ናብ ህይወት እትመርሕ ቀጣን መገዲ ስለ እተመላለሱ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ዓስቢ ክረኽቡ ኢዮም።—ማቴዎስ 7:14፣ ራእይ 6:9-11 እውን ርአ።

ንዘለኣለም ኣብ መጽሓፍ ህይወት!

14. “መጽሓፍ ህይወት” እንታይ ኢዩ: ኣብኡኸ ናይ መን ስማት ኢዩ ተጽሒፉ ዘሎ፧

14 እቲ “መጽሓፍ ህይወት” እንታይ ኢዩ: ኣብኡ ዝተሓዝከ ናይ መን ስማት ኢዩ፧ እቲ ናይ ህይወት መጽሓፍ ወይ ጥቕላል ናይቶም ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝረኽቡ ኣገልገልቲ የሆዋ ጸብጻብ ዘመልክት ኢዩ። (ሚልክያስ 3:16) ኣብ መጽሓፍ ራእይ ስማት ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያን ብፍሉይ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ። እንተዀነ ግን: ስማት ናይቶም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ተስፋ ዘለዎም እውን ኣብቲ መጽሓፍ እቲ ተጻሒፉ ኣሎ። ብዘይ እዚ ኸኣ ገለ ስማት ካብዚ መጽሓፍ እዚ ‘ክፍሓቑ’ ይኽእሉ ኢዮም። (ዘጸኣት 32:32, 33) እንተዀነ ግን: እቶም ስሞም ክሳዕ ግዜ ሞቶም ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዝጸንሕ ክፍሊ ዮሃንስ: ኣብ ሰማይ ዘይመውት ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ኢዮም። (ራእይ 2:10) እዚኣቶም ከኣ የሱስ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ፍሉይ ኣፍልጦ ዝህበሎም ስማት ኢዮም። ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ዓስቢ ኰን ኢዩ!

15. ኣባላት ናይቲ ዓቢ ጭፍራ ስሞም ከይተደምሰሰ ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት ክጸሓፍ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

15 እቶም ስማቶም: ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፎም ዘለዉ ዓቢ ጭፍራውን ካብቲ ዓቢ ጸበባ ብህይወት ክወጹ ኢዮም። ኣብ ብምሉኡ እቲ ሽሓዊ ዓመት ግዝኣት የሱስ ኰነ ኣብቲ ዝስዕብ ወሳኒ ፈተና ተኣማንነት ብምርኣይ: ኣብ ምድራዊት ገነት ዓስቢ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ኢዮም። (ዳንኤል 12:1፣ ራእይ 7:9, 14፣ 20:15፣ 21:4) ብድሕርዚ ስማቶም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ከይተደምሰሰ ተጻሒፉ ክተርፍ ኢዩ። ኣብዚ ብመንፈስ ቅዱስ ቀሪቡ ዘሎ እንታይ ምዃኑ ብምፍላጥ ነቲ የሱስ ደጋጊሙ “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት [“ንጉባኤታት:” NW] ዚብለን ዘሎ ይስማዕ” ዝበሎ መተሓሳሰቢ ብኣወንታ ክትምልሰሉ ኣይግባኣካንዶ፧ራእይ 3:6

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 15 ሓምለ 2005 ከምኡውን 15 መጋቢት 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 57 ዘሎ ስእሊ]

ስምካ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዝተርፍ ይግበሮ