ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ መደምደምትኡ ይበጽሕ

ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ መደምደምትኡ ይበጽሕ

ምዕራፍ 32

ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ መደምደምትኡ ይበጽሕ

1. እቲ ሸውዓተ ጽዋኣት ንመወዳእታ ግዜ ምስ ፈሰሰ እንታይ ክፍጸም ኢዩ: ብዛዕባ እቲ ጽዋኣትከ ሕጂ እንታይ ሕቶታት ይለዓል፧

 ዮሃንስ ድሮ ነቶም ሸውዓተ ጽዋኣት ከፍስሱ እተመዘዙ መላእኽቲ ኣላልይዎም ኢዩ። “እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ብኣታተን ኪፍጸም እዩ” ኢሉ ይነግረና። (ራእይ 15:1፣ 16:1) እዚ የሆዋ ንእከይ ኣብ ምድሪ ክቕጽል ከም ዘይደልዮ ዝገልጽ መዓት ንመወዳእትኡ ክፈስስ ኣለዎ። ምስ ተወድአ ኸኣ ፍርድታት ኣምላኽ ክፍጸም ኢዩ። ናይ ሰይጣን ዓለም ድሕሪ ደጊም ኣይክትህሉን ኢያ! እዚ መዓት እዚ ንወድሰብን ንገዛእቲ ናይዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብን እንታይ ማለት ኢዩ፧ ክርስትያናት ምስ እዛ ንጥፍኣት እተመጠወት ዓለም መዓት ከይወርዶም ክጥንቀቑ ዝኽእሉ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧ እዚኣተን ኣገደስቲ ሕቶታት ኢየን: ሕጂ ድማ መልሲ ክወሃበን ኢዩ። ኵሎም እቶም ጽድቂ ክስዕር ዝናፍቑ: ኣብቲ ቀጺሉ ዮሃንስ ዝርእዮ ዓሚቝ ተገዳስነት ክህልዎም ኢዩ።

ቍጥዓ የሆዋ ኣንጻር “ምድሪ”

2. እቲ ቐዳማይ መልኣኽ ጽዋኡ ኣብ ምድሪ ምስ ኣፍሰሰ እንታይ ይስዕብ: ብምድሪ ተመሲሉ ዘሎኸ እንታይ ኢዩ፧

2 እቲ ቐዳማይ መልኣኽ ስጕምቲ ይወስድ! “እቲ ቐዳማይ ከደ እሞ ጽዋኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት ከኣ ክፉእ ብርቱዕ ቍስሊ ወጾም።” (ራእይ 16:2) ከምቲ እቲ ቐዳማይ መለኸት ክንፋሕ ከሎ እተራእየ: እቲ ኣብዚ “ምድሪ” ተባሂሉ ዘሎ ነቲ ሰይጣን ኣብዛ ምድሪ ቅድሚ 4,000 ዓመታት ይገብር ኣብ ግዜ ኒምሮድ ከቝሞ ዝጀመረ ጽኑዕ ዝመስል ፖለቲካዊ ኣገባብ ኢዩ ዘመልክት።—ራእይ 8:7

3. (ሀ) ብዙሓት መንግስታት ካብ ተገዛእተን ኣምልኾ ክወሃበን ዝሓተታ ብኸመይ ኢየን፧ (ለ) ሃገራት ከም መተካእታ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኣቘማ: ኣብቶም ዘምልኽዎኸ እንታይ ሳዕቤን ኣሎዎ፧

3 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብዙሓት ምምሕዳራት ካብ ተገዛእተን ኣምልኾ ክወሃበን ሓቲተን ኢየን: መንግስቲ ካብ ኣምላኽ ወይ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ተኣማንነት ዝሓትት ነገር ንላዕሊ ክብ ክትብል ኣገዲደን ኢየን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ምስ ሉቃስ 20:25፣ ዮሃንስ 19:15 ኣረኣእዮ።) ካብ 1914 ንነጀው ኣብቲ ንገጻት ናይዚ ዘመናዊ ታሪኽ ብደም ዘጠልቀየ ኲናት ምእንቲ ክዋግኡ ወይ ንውግእ ተቐሪቦም ክጸንሑ ኢለን ሃገራት መንእሰያተን ኣገዲደን ምኽታብ ልማድ ገይረንኦ ኢየን። ኣብ መዓልቲ ጐይታ ሃገራት ነቲ ምስሊ እቲ ኣራዊት ማለት እተኣሳሰራ መንግስታትን እታ ወራሲታ ዝዀነት ሕቡራት ሃገራትን ከም መተካእታ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ገይረን ኣቚመን ኢየን። ከምቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝነበሩ ጳጳሳት ዝገበርዎ እዚ ስርሓት ሰብ ዝዀነ ኣካል እዚ: እንኮ ተስፋ ናይ ሰላም ኢዩ ኢልካ ክትእውጅስ: ኣየ ከመይ ዝበለ ንኣምላኽ ምጽራፍ ኢዩ! እዚ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣበርቲዑ ዝጻረር ኢዩ። ልክዕ ከምቶም ብግዜ ሙሴ ንየሆዋ እተጻረርዎ ግብጻውያን ቃል ብቓሉ ብቝስልን ሕበጥን እተወቕዑ: እቶም ነዚ ዘምልኹ ብመንፈስ ርኹሳትን ቆሳላትን ኢዮም ዝዀኑ።—ዘጸኣት 9:10, 11

4. (ሀ) ትሕዝቶ ናይታ ቐዳመይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣጸቢቓ እተጕልሖ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም፧

4 ትሕዝቶ ናይዛ ጽዋእ እዚኣ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዘሎ ምርጫ ኣጸቢቑ ዘጕልሕ ኢዩ። ሰባት ብናይ ዓለም ምንጻግ ወይ ድማ ብናይ የሆዋ ቍጥዓ ክሳቐዩ ኣለዎም። ወድሰብ ‘ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዘይብሉ: ክዕድግን ክሸይጥን ኣይክእልን ብምባል’ ማሕተም ናይቲ ኣራዊት ንኽቕበል ተጽዕኖ ተገይሩሉ ኢዩ። (ራእይ 13:16, 17) እዚ ግን ዝኽፈል ዋጋ ኣለዎ! የሆዋ ነቶም ማሕተም እተቐበሉ ከም “ክፉእ ብርቱዕ ቍስሊ” ዝወቕዖም ኢዩ ዝቘጽሮም። ካብ 1922 ጀሚሩ ነቲ ህያው ኣምላኽ ከም ዝነጸግዎ ብግልጺ ምልክት ተገይሩሎም ኢዩ። እቲ ፖለቲካዊ ውጥናቶም ኣይተዓወተን: ይጭነቑውን ኣለዉ። ብመንፈስ ዘይንጹሃት ኢዮም። እንተ ዘይተነሲሖም እዚ “ክፉእ” ሕማም እዚ ንመወዳእትኦም ኢዩ: ከመይሲ ሕጂ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ኢዩ። ኣብ መንጎ ክፍሊ ናይዚ ዓለማዊ ኣገባብ እዚ ምዃንን ብወገን ክርስቶስ ኴንካ ንየሆዋ ምግልጋልን ማእከላይ መርገጽ ዝበሃል የለን።—ሉቃስ 11:23፣ ምስ ያእቆብ 4:4 ኣረኣእዮ።

እቲ ባሕሪ ደም ይኸውን

5. (ሀ) እታ ኻልኣይቲ ጽዋእ ምስ ፈሰሰት እንታይ ይፍጸም፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ኣብቲ ምሳልያዊ ባሕሪ ዝነብሩ ብኸመይ ይምልከቶም፧

5 ሕጂ እቲ ኻልኣይ ጽዋእ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ክፈስስ ኣለዎ። እዚኸ ንወድሰብ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “እቲ ኻልኣይ ድማ ጽዋኡ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዚመስል ደም ኰነ: ኣብቲ ባሕሪ ዝጸንሔ ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ህያው ድማ ሞተ።” (ራእይ 16:3) ከም ምንፋሕ ናይቲ ካልኣይ መለኸት: እዚ ጽዋእ እዚ ኸኣ ኣንጻር “ባሕሪ”—እቲ ካብ የሆዋ ዝረሓቐ ዝናወጽ ዘሎ ዓለወኛ ሓፋሽ ወድሰብ—ዘቃንዐ ኢዩ። (ኢሳይያስ 57:20, 21፣ ራእይ 8:8, 9) እዚ “ባሕሪ” እዚ: ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ከም “ደም”: ፍጥረታት ክነብርዎ ዘይክእሉ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ክርስትያናት ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ክዀኑ ዘይግብኦም። (ዮሃንስ 17:14) ምፍሳስ ናይቲ ካልኣይ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ: ኵሎም እቶም ኣብዚ ባሕሪ እዚ ዝቕመጡ ደቅሰብ: ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ምዉታት ከም ዝዀኑ ዝገልጽ ኢዩ። ብምኽንያት ናይ ማሕበረሰብ ተሓታትነት: ወድሰብ ብዙሕ ንጹህ ደም ብምፍሳሱ ገበነኛ ኢዩ። መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ክትመጽእ ከላ: ቃል ብቓሉ ኣብ ኢድ እቶም ፈጸምቲ ፍርዲ የሆዋ ዝዀኑ ሓይልታት ብምውዳቖም ክሞቱ ኢዮም።—ራእይ 19:17, 18፣ ምስ ኤፌሶን 2:1፣ ቈሎሴ 2:13 ኣረኣእዮ።

ክሰትይዎ ደም ምሃቦም

6. እታ ሳልሰይቲ ጽዋእ ምስ ፈሰሰት እንታይ ይፍጸም: ካብ ሓደ መልኣኽን ካብቲ መሰውእንከ እንታይ ቃላት ኢዩ ዝስማዕ፧

6 እታ ሳልሰይቲ ጽዋእ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ከም ምንፋሕ ናይቲ ሳልሳይ መለኸት: ኣብ ምንጭታት ጽሩይ ማይ ሳዕቤን ኣሎዋ። “እቲ ሳልሳይውን ጽዋኡ ናብ ርባታትን ዔላታትን ኣፍሰሰ: ደም ከኣ ዀነ። እቲ መልኣኽ ማያት ድማ፤ ኣታ ቅዱስ: ዘሎኻን ዝነበርካን: እዚ ብምፍራድካ ጻድቕ ኢኻ: ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም እሞ: ንስኻ ድማ ኪሰትዩ ደም ሀብካዮም: ዚግብኦምውን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ መሰውኢ ድማ፤ እወ: ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: እቲ ፍርድታትካስ ሓቅን ቅንዕናን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።”—ራእይ 16:4-7

7. በቲ “ርባታትን ዔላታትን” ተመልኪቱ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧

7 እዚ “ርባታትን ዔላታትን” እዚ: ነቲ ጽሩይ ምንጪ ናይ መምርሕን ጥበብን ዝብሃል በዛ ዓለም እዚኣ ተቐባልነት ዝረኸበ: ናይ ሰባት ስጕምትታትን ውሳነታትን ዝመርሕ ከም እኒ ፖለቲካዊ: ቁጠባዊ: ስነ-ፍልጠታዊ: ትምህርታዊ: ማሕበራዊ: ከምኡውን ሃይማኖታዊ ፍልስፍናታት ዝኣመሰለ ኢዩ ዘመልክት። ሰባት ህይወት ዝህብ ሓቂ ምእንቲ ክረኽቡ ናብቲ ናይ ህይወት ፈልፋሊ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ክንዲ ዝጥምቱ: ‘ንርእሶም ነቓዕ ሓጽብታት ኵዒቶም’ ካብቲ ‘ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት [ዝዀነ] ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ’ ኢዮም ኣብዚሖም ሰትዮም።—ኤርምያስ 2:13፣ 1 ቈረንቶስ 1:19፣ 2:6፣ 3:19፣ መዝሙር 36:9

8. ወድሰብ ናይ ደም ገበነኛ ዝዀነ በየናይ መገድታት ኢዩ፧

8 እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ እተበከለ “ማያት” ንሰባት ናይ ደም ገበነኛታት ከም ዝዀኑ ገይርዎም ኣሎ: ንኣብነት: ኣብቲ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ነፍሳት ዝቐተለ ናይ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበን ውግኣት ኢዶም ኣእትዮም ብዙሕ ደም ከፍስሱ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። ብፍላይ ኣብታ እዚ ክልተ ውግኣት ዓለም ዝነተጐላ ህዝበ-ክርስትያን: ሰባት ‘ንጹህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፉ’ ኢዮም ነይሮም፣ እዚ ኸኣ ደም ናይቶም መሰኻኽር ኣምላኽ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (ኢሳይያስ 59:7፣ ኤርምያስ 2:34) ወድሰብ ነቲ ጻድቕ ሕግታት የሆዋ ብምጥሓስ ንደም ብዘይግቡእ ብመትኒ ብምትሕልላፍ ስለ እተጠቕመሉ እውን ናይ ደም ገበነኛ ኰይኑ ኢዩ። (ዘፍጥረት 9:3-5፣ ዘሌዋውያን 17:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) በዚ ምኽንያት እዚ: ድሮ ብምትሕልላፍ ደም ዝመጽእ አይድስን ሕማም ወይቦን ካልእ ሕማማትን ብምብዝሑ ብዙሕ ጓሂ ከም ዝዓጽዱ ገይርዎም ኢዩ። ናይቲ ዅሉ ዝፈጸምዎ ገበን ደም ምሉእ ፍዳ: እቶም ኣበስቲ ኣብቲ “ዓብዪ መጽሞቚ ናይ ቝጥዓ ኣምላኽ” ብምርጋጽ ዝኸበደ መቕጻዕቲ ክቕበሉ ከለዉ: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ኢዩ።—ራእይ 14:19, 20

9. ምፍሳስ ናይታ ሳልሰይቲ ጽዋእ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧

9 ብግዜ ሙሴ: ርባ ኒል ኣብ ደም ምስ ተለወጠ: ግብጻውያን ካልእ ምንጭታት ማይ ብምድላይ ብህይወት ክድሕኑ ክኢሎም ነይሮም ኢዮም። (ዘጸኣት 7:24) እንተዀነ ግን ሎሚ: ኣብዚ እዋን ናይ መንፈሳዊ መዓት: ሰባት ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ህይወት ዝህብ ማያት ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ዋላ ሓደ ቦታ የለን። እቲ ምፍሳስ ናይታ ሳልሰይቲ ጽዋእ: እቲ ናይ ዓለም “ርባታትን ዔላታትን” ንዅሎም እቶም ዝሰትይዎ ዘበሉ መንፈሳዊ ሞት ዘምጽኣሎም: ከም ደም: ምዃኑ ምእዋጅ ዘጠቓለለ ኢዩ። ሰባት ናብ የሆዋ እንተ ዘይተመሊሶም: ካብኡ ከቢድ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ክዓጽዱ ኢዮም።—ምስ ህዝቅኤል 33:11 ኣረኣእዮ።

10. “እቲ መልኣኽ ማያት” እንታይ ኢዩ ዘፍልጥ: ‘እቲ መሰውኢኸ’ እንታይ ምስክርነት ኢዩ ዝውስኽ፧

10 “እቲ መልኣኽ ማያት” ማለት እቲ ጽዋኡ ኣብቲ ማያት ዘፍስስ መልኣኽ: ነቲ ጻድቕ ፍርድታቱ ፍጹም ዝዀነ የሆዋ ከም ኣድማሳዊ ገዛኢ መጠን ልዕል የብሎ። ስለዚ እዚ መልኣኽ እዚ ብዛዕባ እቲ ፍርዲ: “ዚግብኦምውን እዩ” ይብል። ብዘይጥርጥር እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ብናይ ሓሶት ትምህርትታትን ፍልስፍናታትን ናይዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ እተለዓዓለ: ምፍሳስ ደምን ጭከናን እቲ መልኣኽ ባዕሉ ናይ ዓይኒ ምስክር ኰይኑ ርእይዎ ኢዩ። ስለዚ ውሳነ ፍርድታት የሆዋ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ “መሰውኢ” ኣምላኽ ከይተረፈ እውን ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብ ራእይ 6:9, 10 ነፍሳት ናይቶም ሰማእታት ኣብ ትሕቲ እቲ መሰውኢ ከም ዘለዉ ተነጊሩ ነይሩ። ስለዚ “እቲ መሰውኢ” ውሳነታት የሆዋ ቅኑዕን ጻድቕን ምዃኑ ሓያል ምስክርነት ይውስኸሉ። a ብርግጽ ከኣ እቶም ብዙሕ ደም ዘፍሰሱን ንደም ብዘይግቡእ እተጠቕምሉን: የሆዋ ንሞት ከም ዝፈረዶም ንምምልካት ንገዛእ ርእሶም ደም ክሰትዩ ክግደዱ ግቡእ ኢዩ።

ንሰባት ብሓዊ ምንዳዶም

11. ዒላማ ናይታ ራብዐይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ: ምስ ፈሰሰትከ እንታይ ይፍጸም፧

11 እታ ራብዐይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ዒላምኣ ጸሓይ ኢያ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “እቲ ራብዓይ ከኣ ጽዋኡ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ: ንእኣውን ንሰብ ብሓዊ ኸተንድድ ተዋህባ። እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ: ንስም እቲ ኣብዘን መዓታት እዚኤን ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ከኣ ጸረፍዎ: ክብሪ ኺህብዎውን ኣይተነስሑን።”—ራእይ 16:8, 9

12. ናይዛ ዓለም እዚኣ “ጸሓይ” እንታይ ኢያ: ነዛ ምሳልያዊት ጸሓይ እዚኣኸ እንታይ ኢዩ ዝውሃባ፧

12 ሎሚ ኣብዚ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ: እቶም መንፈሳውያን ኣሕዋት የሱስ ‘ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ በሪሆም’ ኣለዉ። (ማቴዎስ 13:40, 43) የሱስ ንርእሱ “ጸሓይ ጽድቂ” ኢዩ። (ሚልክያስ 4:2) እንተዀነ ግን: ወድሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ “ጸሓይ” ማለት ኣንጻር መንግስቲ ኣምላኽ ከብርሁ ዝጽዕሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ገዛእቲ ኣለውዎ። እቲ ራብዓይ ምንፋሕ መለኸት: እቶም ኣብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሰማያት ዘለዉ ‘ጸሓይ ወርሕን ከዋኽብትን’ ናይ ብርሃን ዘይኰነስ: ብሓቂ ናይ ጸልማት ምንጭታት ምዃኖም ኣዊጁ ነበረ። (ራእይ 8:12) ሕጂ ኸኣ እታ ራብዐይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ: ናይ ዓለም “ጸሓይ” ክትጽመሞ ዘይትኽእል ኣዝዩ ውዑይ ከም ዝኸውን የርኢ። እቶም ከም ጸሓይ ዝርኣዩ መራሕቲ ንደቅሰብ ‘ከንድድዎም’ ኢዮም። እዚ ነቲ ምሳልያዊ ጸሓይ ዝወሃብ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ የሆዋ ነዚ ከም ክፍሊ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝወርድ ሓዊ ዝዀነ ፍርዱ ገይሩ ከፍቅዶ ኢዩ። እዚ ምንዳድ እዚ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ ዝፍጸም፧

13. ጸሓይ መሰል ዝዀኑ ገዛእቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ንወድሰብ ‘ዘንድዱ’ በየናይ መገዲ ኢዮም፧

13 ብድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም መራሕቲ እዛ ዓለም እዚኣ: እቲ ዓለም ንድሕንነት ዝምልከት ዘለዋ ሽግር ንምፍታሕ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ እተኣሳሰራ መንግስታት ኣቘሙ: እዚ ግን ፈሸለ ደኣ። ስለዚ ከም በዓል ፋሽስትነትን ናዝን ዝኣመሰለ ካልእ ኣገዛዝኣ ተፈተነ። ኮሙኒዝም እናኣስፋሕፈሐ ኸደ። እዞም ጸሓይ መሰል ዝዀኑ ገዛእቲ ናይዚ ስርዓታት እዚ ንብጽሒት ወድሰብ ኣብ ክንዲ ዘመሓይሽዎ ‘ንሰባት ብብርቱዕ ሃሩር ኣንደድዎም።’ ኣብ ስጳኛ: ኢትዮጵያ: ከምኡውን ማንቹርያ እተላዕለ ናይ ከባቢ ኲናት ናብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣምርሐ። ዘመናዊ ታሪኽ ከም ዝመዝገቦ ሙሶሊኒ: ሂትለር: ከምኡውን ስታሊን ከም ውልቀ-መለኽቲ መጠን ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብሞት ናይ ዓሰርተታት ሚልዮናት: ደቂ ዓዶም እውን ሓዊስካ: ተሓተትቲ ኰይኖም ኢዮም። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እተፈጸመ ኣህጉራዊ ወይ ሓድሕዳዊ ምግርጫዋት ነቶም ኣብ ከም በዓል ቬትናም: ካምፑችያ: ኢራን: ሊባኖስ: ኣየርላንድ ከምኡውን ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዝነብሩ ሰባት ‘ኣንዲድዎም’ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ እቲ ኣብ መንጎ እተን ኑክሌራዊ ኣጽዋረን ንዅሉ ወድሰብ ሓሙኹሽቲ ክገብር ዝኽእል ልዕለ-ሓያላን ዝርአ ዘሎ ቀጻሊ ቃልሲ እውን ኣሎ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ሰባት በቶም ሓጥኣን ገዛእቲ: ናብ እተንድድ “ጸሓይ” ብርግጽ ተቓሊዖም ኢዮም። ምፍሳስ ናይታ ራብዐይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ነዚ ታሪኻዊ ክውንነት እዚ እተመልክት ኢያ: ህዝቢ ኣምላኽ ከኣ ነዚ ኣብ ኵላ ምድሪ ኣዊጆምዎ ኢዮም።

14. ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንኮ መፍትሒ ናይ ወድሰብ ግድላት እንታይ ምዃና ኢዮም ብቐጻሊ ዝማሃሩ: ወድሰብ ብሓፈሻኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧

14 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንኮ መፍትሒ ናይዚ ዘጨንቕ ግድላት ወድሰብ: እታ የሆዋ ብኣኣ ገይሩ ስሙ ክቕድስ ዝመደባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ብቐጻሊ ምሂሮም ኢዮም። (መዝሙር 83:4, 17, 18፣ ማቴዎስ 6:9, 10) ይኹን እምበር: ወድሰብ ብሓፈሻ ነዚ መፍትሒ እዚ ጸማም እዝኒ ሃቦ። ብዙሓት ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝነጸግዋ ልክዕ ከምቲ ፈርኦን ንሉዓላውነት የሆዋ ኣፍልጦ ምሃብ ምስ ኣበየ ዝገበሮ: ንስም ኣምላኽ ዝጻረፉ ኢዮም። (ዘጸኣት 1:8-10፣ 5:2) እዞም ተጻረርቲ እዚኣቶም ኣብታ መሲሓዊት መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ተገዳስነት ስለ ዘይብሎም ኣብቲ ናይ ገዛእ ርእሶም መሪር “ጸሓይ” ናይ ጨቋኒ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ክሳቐዩ መሪጾም ኣለዉ።

ዝፋን እቲ ኣራዊት

15. (ሀ) እታ ሓምሸይቲ ጽዋእ ኣብ ልዕሊ እንታይ ኢያ ፈሲሳ፧ (ለ) “ዝፋን እቲ ኣራዊት” እንታይ ኢዩ: እታ ጽዋእ ኣብ ልዕሊኡ ምፍሳሳኸ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧

15 እቲ ዝስዕብ መልኣኽ ኣብ ልዕሊ እንታይ ኢዩ ጽውኡ ዘፍስስ፧ “እቲ ሓምሳይ ከኣ ጽዋኡ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ።” (ራእይ 16:10ሀ) “እቲ ኣራዊት” ተባሂሉ ዘሎ እቲ ናይ ሰይጣን ምምሕዳራዊ ኣገባብ ኢዩ። ከምቲ እቲ ኣራዊት ንርእሱ ቃል ብቓሉ ኣራዊት ዘይኰነ: ቃል ብቓሉ ዝፋን ከኣ የብሉን። ይኹን እምበር: ዝፋን ምጥቃሱ እቲ ኣራዊት ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ስልጣን ከም ዘሎዎ የመልክት፣ እዚ ምስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀርኒ ናይቲ ኣራዊት ዘውዲ ምህላዉ ዝሰማማዕ ኢዩ። አረ “ዝፋን እቲ ኣራዊት” መሰረት ወይ ምንጪ ናይቲ ስልጣን ኢዩ። b መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ገበል ድማ [ነቲ ኣራዊት] ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦ” ክብል ከሎ: ናይ ሓቂ ኵነታት ንጉሳዊ ስልጣን ናይቲ ኣራዊት ይገልጸልና። (ራእይ 13:1, 2፣ 1 ዮሃንስ 5:19) በዚ ኸምዚ እቲ ጽዋእ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ምፍሳሱ: ሰይጣን ነቲ ኣራዊት ንምድጋፍን ንምድፍፋእን ዝነበሮ: ክሳዕ ሕጂውን ዘሎዎ ግደ ዘቃልዕ ኣዋጅ ዘጠቓለለ ኢዩ።

16. (ሀ) ሃገራት ይፍለጥኦ ኣይፍለጥኦ ብዘየገድስ ንመን ኢየን ዘገልግላ ዘለዋ፧ ግለጾ። (ለ) ዓለም ናይ ሰይጣን ባህሪ እተንጸባርቕ ብኸመይ ኢያ፧ (ሐ) ዝፋን ናይቲ ኣራዊት ዝግልበጥ መዓስ ኢዩ፧

16 እዚ ኣብ መንጎ ሰይጣንን እተን መንግስታትን ዘሎ ዝምድና ብኸመይ ኢዩ ዝጸንዕ፧ ሰይጣን ንየሱስ ክፍትኖ ኸሎ ብራእይ ንዅለን መንግስታት ዓለም ኣርኣዮ እሞ “እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን” ኣቕረበሉ። ኣቐዲሙ ግን: የሱስ ኣብ ቅድሚ ሰይጣን ፍግም ኢሉ ክሰግድ ነበሮ። (ሉቃስ 4:5-7) እዘን ሃገራት ናይዛ ዓለም እዚኣ ስልጣነን ካብዚ ብዝተሓተ ዋጋ ኢየን ረኺበንኦ ኢልናዶ ክንሓስብ ንኽእል፧ ብፍጹም ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ሰይጣን ኣምላኽ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኢዩ: ስለዚ ሃገራት ይፍለጥኦ ኣይፍለጥኦ ብዘየገድስ ንእኡ ኢየን ዘገልግላ ዘሎዋ። (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) c እዚ ኵነታት እዚ ኸኣ ኣብ ኣሰራርሓ ናይቲ ኣብ ጸቢብ ሃገራዊ ስምዒት: ጽልኢ: ከምኡውን ናይ ርእስኻ ጥራይ ምግዳስ እተሃንጸ ናይ ዓለም ኣገባብ ተጋሂዱ ኣሎ። እዚ ኣገባብ እዚ ከምቲ ሰይጣን ዝደልዮ: ንወድሰብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ንምእታው ዝጥዕም ኰይኑ ኢዩ ተመሓዲሩ ዘሎ። ኣብ ምምሕዳር ዘሎ ብልሽውና: ናይ ስልጣን ህርፋን: ኣብ ዲፕሎማሲ ዘሎ ሓሶት: ኣብ ምድላብ ኣጽዋር ዝግበር ቅድድም—ነቲ ሕሱር ባህሪ ናይ ሰይጣን ዘንጸባርቕ ኢዩ። ዓለም ምስቲ ሓጥእ መለክዒታት ሰይጣን ትሰማማዕ ኢያ: በዚ ኸምዚ ኣምላኻ ገበረቶ። እቲ ኣራዊት ምስ ጸነተን ዘርኢ እታ ሰበይቲ ድማ ኣብ መወዳእታ ንሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ምስ ኣእተዎን ዝፋን እቲ ኣራዊት ክግልበጥ ኢዩ።—ዘፍጥረት 3:15፣ ራእይ 19:20, 21፣ 20:1-3

ጸልማትን ብርቱዕ ቓንዛን

17. (ሀ) ምፍሳስ ናይታ ሓምሸይቲ ጽዋእ ምስቲ ኵሉ ግዜ ንመንግስቲ ናይቲ ኣራዊት ዘጐልበበ መንፈሳዊ ጸልማት እተተሓሓዘ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሰባት ንምፍሳስ ናይታ ሓምሸይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ብኸመይ ይምልሱሉ፧

17 ናይዚ ኣራዊት እዚ መንግስቲ ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ኢያ ነይራ። (ምስ ማቴዎስ 8:12፣ ኤፌሶን 6:11, 12 ኣረኣእዮ።) እታ ሓምሸይቲ ጽዋእ ብዛዕባ እዚ ጸልማት እዚ ጽዑቕ ህዝባዊ ኣዋጃት ተምጽእ። አረ እዛ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብቲ ዝፋን ናይቲ ምሳልያዊ ኣራዊት ብቐንዱ ብምፍሳሳ ድራማዊ መልክዕ ኢያ እትሕዝ። “እታ መንግስቱ ድማ ጸልመተት: ብሰሪ እቲ ስቓይውን ልሳውንቶም ሐየኹ። ብሰሪ እቲ ቓንዛኦምን ኣቝሳሎምን ከኣ ነቲ ኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ: ካብ ግብሮምውን ኣይተናስሑን።”—ራእይ 16:10ለ, 11

18. ኣብ መንጎ ምንፋሕ ናይቲ ሓምሻይ መለኸትን ሓምሸይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽን ከመይ ዝበለ ተመሳሳልነት ኢዩ ዘሎ፧

18 ምንፋሕ ናይቲ ሓምሻይ መለኸት ልክዕ ከምታ ሓምሸይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣይኰነን: ምኽንያቱ ምንፋሕ ናይቲ መለኸት ብዛዕባ ናይ ኣንበጣ መዓት ዝእውጅ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እቲ ናይ ኣንበጣ መዓት ምስ ተፈነወ ጸሓይን ኣየርን ከም ዝጸልመተ ኣስተውዕል። (ራእይ 9:2-5) ኣብ ዘጸኣት 10:14, 15 ኸኣ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንግብጺ ዘውረደላ መዓት ናይ ኣንበጣ ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “እቲ ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ ደየበ: ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ረገፈ። ክንዳኡ ዝምብዛሑ ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበረን: ብድሕሪኡ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይከውንን። ምድሪ ኽሳዕ እትጽልምት ንገጽ ኵላ ምድሪ ኸደና።” እወ: ጸልማት! ሎሚ ብምኽንያት ምንፋሕ ናይቲ ሓምሻይ መለኸትን ምፍሳስ ናይታ ሓምሸይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽን: መንፈሳዊ ጸልማት ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣዝዩ ርኡይ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። እቲ በዞም ዘመናውያን ዕስለ ኣንበጣ ዝእወጅ ዘሎ ዝናኸስ መልእኽቲ: ነቶም ካብ ‘ብርሃንሲ ጸልማት ዝፈትዉ’ እኩያት ስቓይን ቃንዛን የምጽኣሎም።—ዮሃንስ 3:19

19. ምስ ራእይ 16:10, 11 ብምስምማዕ: ሰይጣን ኣምላኽ ናይዚ ኣገባብ እዚ ከም ዝዀነ ምቅልዑ እንታይ ኣስዓበ፧

19 ከም ገዛእ ዓለም መጠን: ሰይጣን ብዙሕ ጓህን ስቓይን ኣምጺኡ ኢዩ። ጥሜት: ውግኣት: ዓመጻ: ግብረ-ገበን: ሓሽሽ ብዘይግቡእ ምጥቃም: ዘይስነ-ምግባራውነት: ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማት: ምድልሃቕ: ሃይማኖታዊ ግብዝና—እዚኣቶምን ነዚኣቶም ዝመስሉ ካልኦት ነገራትን ናይ ሰይጣን ኣገባብ መለለዪ ኢዮም። (ምስ ገላትያ 5:19-21 ኣረኣእዮ።) ከምዚ ዀይኑ ከሎ ከይተረፈ: ነቶም በቲ ናቱ መዐቀኒታት ዝነብሩ: ኣምላኽ ናይዚ ኣገባብ እዚ ሰይጣን ከም ዝዀነ ምቅልዑ ቃንዛን ጭንቀትን ኣምጺኡሎም ኢዩ። ብሕልፊ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ‘ብሰሪ እቲ ስቓይ ልሳውንቶም ክሓይኩ’ ጀመሩ። ብዙሓት ሓቂ ንኣነባብርኦም ስለ ዘቃልዖ ቅሬታ ኣለዎም። ገሊኦም ዘፍርህ ኰይኑ ይስምዖም እሞ: ነቶም ዝዝርግሕዎ የሳጕግዎም። ንመንግስቲ ኣምላኽ ይነጽጉ: ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኸኣ የዋርዱ። እቲ ሕሙምን ቆሳልን ሃይማኖታዊ ኵነታቶም ስለ እተቓልዐ ንኣምላኽ ሰማይ ይጸርፍዎ። ፈጺሞም ‘ካብ ግብሮም ኣይተነስሑን።’ ስለዚ ቅድሚ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ምምጽኡ ናይ ሓፋሽ ምልዋጥ ሃይማኖት ክህሉ ኣይንጽበን ኢና።—ኢሳይያስ 32:6

ርባ ኤፍራጥስ ይነጽፍ

20. ምንፋሕ ናይቲ ሻድሻይ መለኸትን ምፍሳስ ናይታ ሻድሸይቲ ጽዋእን ንርባ ኤፍራጥስ ዘጠቓልል ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

20 ምንፋሕ ናይቲ ሻድሻይ መለኸት ብዛዕባ ምፍታሕ ናይቶም “ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ” ኣወጀ። (ራእይ 9:14) ኣብ ታሪኽ እንተድኣ ርኢና ባቢሎን ኣብቲ ዓቢ ርባ ኤፍራጥስ እተቐመጠት ዓባይ ከተማ ነበረት። ብ1919 ከኣ ምፍታሕ ናይቶም ኣርባዕተ ምሳልያውያን መላእኽቲ: በቲ ጕሉሕ ምውዳቕ ናይ ዓባይ ባቢሎን እተሰነየ ኢዩ ነይሩ። (ራእይ 14:8) እታ ሻድሸይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ንርባ ኤፍራጥስ እውን እተጠቓልል ምዃና ኣቓልቦ ክግበረላ እትበቅዕ እያ: ከምዚ ይብል:- “እቲ ሳድሳይውን ጽዋኡ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም: እቲ ማዩ ነጸፈ።” (ራእይ 16:12) እዚ እውን ንዓባይ ባቢሎን መርድእ ኢዩ!

21, 22. (ሀ) እቲ መከላኸሊ ዝነበረ ማያት ኤፍራጥስ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ንባቢሎን ዝነጸፋ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ዓባይ ባቢሎን ተቐሚጣቶ ዘላ “ማያት” እንታይ ኢዩ: እዞም ምሳልያውያን ማያት እዚኣቶም ሕጂውን ከይተረፈ ዝነጽፉ ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም፧

21 ኣብቲ ጥንታዊት ባቢሎን ሓያል ዝነበረትሉ ግዜ: እቲ ብዙሕ ማያት ናይ ኤፍራጥስ ቀንዲ መከላኸሊኣ ኢዩ ነይሩ። ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ፋርሳዊ መራሒ ቂሮስ ነቲ ማያት እቲ ካብ መገዱ ምስ ጠወዮ ነጸፈ። በዚ ኸምዚ ነቶም “ካብ ምብራቕ ጸሓይ” (ማለት ካብ ምብራቕ) ዝመጹ ነገስታት: ቂሮስ ፋርሳውን ዳርዮስ ሜዶናውን: ንባቢሎን ምእንቲ ክኣትዉዋን ክስዕርዋን እቲ መገዲ ተኸፍተሎም። ርባ ኤፍራጥስ ነታ ዓባይ ከተማ ኣብዚ ናይ ቅልውላው እዋን ክከላኸለላ ኣይከኣለን። (ኢሳይያስ 44:27–45:7፣ ኤርምያስ 51:36) ነዛ ዓለምለኸ ኣገባብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዘመናዊት ባቢሎን: ነዚ ዝመስል ኵነታት ክወርዳ ኢዩ።

22 ዓባይ ባቢሎን “ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ” ኣላ። ብመሰረት ራእይ 17:1, 15 እዚ ማያት እዚ: እቶም ንሳ ከም መከላኸሊ ገይራ እትቘጽሮም ሰዓብታ ዝዀኑ “ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን” የመልክት። እቲ “ማያት” ግን ይነጽፍ ኢዩ ዘሎ! ኣብቲ ቅድም ዓቢ ጽልዋ ዝነበራ ቦታታት ምዕራብ ኣውሮጳ: ኣማእታት ሚልዮናት ዝኣኽሉ ንሃይማኖት ብግልጺ ገዲፎምዎ ኣለዉ። ኣብ ገለ ካልኦት ሃገራት ጽልዋ ናይ ሃይማኖት ንምጥፋእ እተኣወጀ ፖሊሲ ንብዙሕ ዓመታት ነይሩ ኢዩ። እቶም ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዝነብሩ ህዝብታት ኣብ ክንድኣ ኣይተላዕሉን። ብተመሳሳሊ: ዓባይ ባቢሎን እትጠፍኣሉ ግዜ ምስ በጽሐ እቲ እናኣንቆልቈለ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ስዓብታ ፈጺሙ ዕቝባ ክዀና ኣይክእልን ኢዩ። (ራእይ 17:16) ዓባይ ባቢሎን ብኣሽሓት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣባላት ኣለዉኒ እኳ እንተ በለት: ኣንጻር እቶም “ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት” ንምክልኻል ዓቕሚ ኣይክህልዋን ኢዩ።

23. (ሀ) ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. እቶም “ካብ ምብራቕ ጸሓይ” ዝመጹ ነገስታት መን ኢዮም ነይሮም፧ (ለ) ኣብ መዓልቲ ጐይታ እቶም “ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዝመጹ ነገስታት” መን ኢዮም: ንዓባይ ባቢሎንከ ብኸመይ ከጥፍእዋ ኢዮም፧

23 እዞም ነገስታት እዚኣቶም መን ኢዮም፧ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን ንምስዓር እተጠቕመሎም ነገስታት: ዳርዮስ ሜዶናውን ቂሮስ ፋርሳውን ኢዮም ነይሮም። ኣብዚ መዓልቲ ጐይታ: እቲ ናይ ዓባይ ባቢሎን ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ኣገባብ እውን በቶም ሰብኣውያን ገዛእቲ ክጠፍእ ኢዩ። እንደገና ግን እዚውን መለኮታዊ ፍርዲ ኢዩ ክኸውን። የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን: እቶም “ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዝመጹ ነገስታት:” ነቶም ሰብኣውያን ገዛእቲ ንዓባይ ባቢሎን ክስልበጥዋን ፈጺሞም ከጥፍእዋን ኣብ ልቦም “ሓሳብ” ከእትውሎም ኢዮም። (ራእይ 17:16, 17) ምፍሳስ ናይታ ሻድሸይቲ ጽዋእ እዚ ፍርዲ እዚ ክፍጸም ቀሪቡ ምዃኑ ብግሁድ ይእውጅ!

24. (ሀ) ትሕዝቶ ናይተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ጽዋኣት ቍጥዓ የሆዋ ብኸመይ ተዘርግሐ: ምስ እንታይ ሳዕቤንከ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ተሪፉ ዘሎ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ቅድሚ ምንጋሩ መጽሓፍ ራእይ እንታይ ይገልጸልና፧

24 እዘን ሽዱሽተ ቀዳሞት ጽዋኣት ቝጥዓ የሆዋ: ረዚን መልእኽቲ ዝሓዛ ኢየን። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብመላእኽቲ ተሓጊዞም: ትሕዝቶ ናይዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንምዝርጋሕ ትሑዛት ኢዮም ዘለዉ። በዚ መገዲ እዚ ንዅሉ ክፋላት ናይዚ ዓለማዊ ኣገባብ ሰይጣን ግቡእ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ኢዩ: የሆዋ ድማ ውልቀ-ሰባት ናብ ጽድቂ ተመሊሶም ብህይወት ክነብርሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚ ሂቡ ኣሎ። (ህዝቅኤል 33:14-16) ሓንቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ገና ተሪፋ ኣላ። መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እዚ ቅድሚ ምንጋሩ ግን ሰይጣንን ምድራውያን ልኡኻቱን ፍርድታት የሆዋ ምእንቲ ከይዝርጋሕ ከመይ ገይሮም ይቃወሙ ከም ዘለዉ ክገልጸልና ኢዩ።

ናብ ኣርማጌዶን ምእካብ

25. (ሀ) ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም ርኹሳት ቍርዖብ መሰል “መንፈስ ዝነፈሶም መግለጺታት” እንታይ ኢሉ ይነግር፧ (ለ) ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዘፈንፍን ቍርዖብ መሰል መዓት ናይ “መንፈስ ዝነፈሶም መግለጺታት” ዝህሉ ብኸመይ ኢዩ: ምስ እንታይ ሳዕቤንከ፧

25 ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ነብዪ ሓሶትን ከኣ ቍርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ [“መንፈስ ዝነፈሶም መግለጺታት:” NW] ኺወጹ ኸለዉ ርኤኹ። እዚኣቶም: ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ [“መንፈስ ዝነፈሶም መግለጺታት:” NW] እዮም።” (ራእይ 16:13, 14) ብግዜ ሙሴ: የሆዋ ኣብታ ናይ ፈርኦን ግብጺ ዘፈንፍን መዓት ቍርዖብ ኣውረደ: “እታ ምድሪ ኸኣ በድበደት።” (ዘጸኣት 8:5-15) ኣብ መዓልቲ ጐይታውን ካብ እተፈልየ ምንጪ እኳ እንተዀነ: ከም ናይ ቍርዖብ ዝመስል ዘፈንፍን መዓት ተራእዩ ኢዩ። እዚ ናይ ሰይጣን “መንፈስ ዝነፈሶም መግለጺታት” ዝሓዘ: ንዅሎም ሰብኣውያን ገዛእትን ‘ነገስታትን’ ኣንጻር የሆዋ ኣምላኽ ክጠዋውዮም እተሰርዐ ፕሮፓጋንዳ የመልክት። ሰይጣን በዚ ኸምዚ: ምፍሳስ ጽዋእ ቍጥዓ የሆዋ ሓሳባቶም ከም ዝልውጡ ክገብሮም ዘይኰነስ: ‘በታ ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ክትጅምር ከላ ኣብ ወገኑ ከም ዝጸንዑ ክገብሮም ኢዩ።

26. (ሀ) ሰይጣናዊ ፕሮፖጋንዳ ካብ እንታይ ሰለስተ ምንጭታት ኢዩ ዝመጽእ፧ (ለ) እቲ “ነብዪ ሓሶት” መን ኢዩ: ከመይ ገይርናኸ ንፈልጥ፧

26 እቲ ፕሮፖጋንዳ ካብቶም ድሮ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዝረኣናዮም ፍጥረታት “ገበል” (ሰይጣን) ከምኡውን “ኣራዊት” (ናይ ሰይጣን ምድራዊ ፖለቲካዊ መዋቕር) ዝመጽእ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ‘ነብዪ ሓሶት’ መን ኢዩ፧ እዚ ብስም ጥራይ ኢዩ ሓድሽ። ኣቐድም ኣቢልና ኣብ ቅድሚ እቲ ሸውዓተ ርእሲ ዘሎዎ ኣራዊት ዓበይቲ ትእምርቲ ዝገበረ ከም ናይ ገንሸል ዝመስል ክልተ ቐርኒ ዘሎዎ ኣራዊት ርኢና ነይርና። እዚ መታለሊ ፍጥረት እዚ ነቲ ኣራዊት ከም ነብዪኡ ኰይኑ ኢዩ ዓይዩ። ንሱ ኣምልኾ ናይቲ ኣራዊት ከም ዝምዕብል ገበረ: አረ ምስሊ ከም ዝስርሓሉውን ገይሩ ኢዩ። (ራእይ 13:11-14) እዚ ከም ናይ ገንሸል ዝመስል ክልተ ቀርኒ ዘሎዎ ኣራዊት: ምስቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ‘ነብዪ ሓሶት’ ሓደ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ዘረጋግጽ: ከምቲ እቲ ክልተ ኣቕርንቲ ዘለዎ ምሳልያዊ ኣራዊት ዝገበሮ: ጸኒሑ እቲ ነብዪ ሓሶትውን “ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኡ [እቲ ሸውዓተ ርእሲ ዘለዎ ኣራዊት] ዝገበረ” ምዃኑ ነንብብ።—ራእይ 19:20

27. (ሀ) የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እንታይ እዋናዊ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝህብ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ፧ (ሐ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ናይ የሱስ መጠንቀቕታ ዘቃልሖ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

27 ኣብዚ ሰይጣናዊ ፕሮፖጋንዳ ኣዝዩ በዚሕሉ ዘሎ ግዜ: እዘን ቀጺሉ ዮሃንስ ዝመዝገበን ቃላት ብሓቂ እዋናውያን ኢየን:- “እንሆ: ከም ሰራቒ እመጽእ አሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ: እቲ ዚነቅሕ ክዳኑውን ዚእርንብ ብጹእ እዩ።” (ራእይ 16:15) እቲ “ከም ሰራቒ” ዝመጽእ መን ኢዩ፧ የሱስ ባዕሉ ኢዩ ከም ናይ የሆዋ ፈጻም ፍርዲ ኰይኑ ብሃንደበት ዝመጽእ። (ራእይ 3:3፣ 2 ጴጥሮስ 3:10) የሱስ ገና ኣብ ምድሪ ኸሎ: “ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ” ብምባል ምምጽኡ ምስ ሰራቒ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:42, 44፣ ሉቃስ 12:37, 40) ሃዋርያ ጳውሎስውን ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ብምቅላሕ “መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ: . . . ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ: ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ: ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም: ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም” ኢሉ ኣሎ። ነዚ ናይ ሓሶት “ሰላምን ደሓንን” ከም ዝእወጅ ዝገብር ዘሎ ሰይጣን እዩ።—1 ተሰሎንቄ 5:2, 3

28. የሱስ ንዓለማዊ ጸቕጥታት ክንቃወሞ ከም ዘሎና እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ: እታ ክርስትያናት “ከም መፈንጠራ” ኰይና ክትበጽሖም ዘይደልይዋ “መዓልቲ” እንታይ ኢያ፧

28 የሱስ ብዛዕባ እዛ ብፕሮፓጋንዳ ኣዕለቕሊቓ ዘላ ዓለም ኣብ ክርስትያናት እተምጽኦ ጸቕጥውን ኣጠንቂቑ ነበረ። ከምዚ በለ:- “እታ መዓልቲ እቲኣ . . . ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብደንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቐቑ። ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።” (ሉቃስ 21:34-36) “እታ መዓልቲ እቲኣ” እታ “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ኢያ። (ራእይ 16:14) እታ ሉዓላውነት የሆዋ ዝረጋገጸላ “መዓልቲ” እናቐረበት ክትከይድ ከላ: ናይ ናብራ ጭንቀታት ንኽትዋጽኣሉ እናኸበደ ኢዩ ዝኸይድ። ክርስትያናት እታ መዓልቲ እቲኣ ክሳዕ እትመጽእ ንቑሓትን ጥንቁቓትን ክዀኑ የድልዮም።

29, 30. (ሀ) እቲ የሱስ ነቶም ዝደቀሱ እሞ ‘ክዳኖም’ ስለ እተወስደ ዝሓፍሩ ዝሃቦ መጠንቀቕታ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) ክዳውንቲ ነቲ ዝለብሶ ከም እንታይ ኢዩ ዘፍልጦ፧ (ሐ) ሓደ ሰብ ምሳልያዊ ክዳውንቱ ከጥፍእ ዝኽእል ከመይ ኢሉ ኢዩ: እንታይ ሳዕቤንከ ኣለዎ፧

29 እቲ ነቶም ዝድቅሱ እሞ ‘ክዳኖም’ ስለ እተወስደ ኸኣ ዝሓፍሩ እተዋህበ መጠንቀቕታ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝዀነ ይኹን ኣብ ቤት መቕደስ ሓላዊ ኰይኑ ከገልግል መዝነት ዝነበሮ ካህን ወይ ሌዋዊ ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ ነይርዎ። ኣይሁዳውያን ወሃብቲ ርእይቶ ዝዀነ ይኹን ኣብዚ መዝነት እዚ ከሎ ደቂሱ እተረኽበ ሰብ: ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ክሓፍር ክዳውንቱ ተቐንጢጡ ይነድድ ከም ዝነበረ ይነግሩ።

30 የሱስ ሎሚውን ተመሳሳሊ ኵነታት ከጋጥም ከም ዝኽእል የጠንቅቕ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ጽላሎት ናይቶም ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:9) ናይ የሱስ መጠንቀቕታ ግን ኣብቶም ዓቢ ጭፍራውን ዝውዕል ኢዩ። እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ክዳን: ነቲ ዝለብሶ ሰብ ከም ክርስትያን ምስክር ናይ የሆዋ ዘፍልጦ ኢዩ። (ምስ ራእይ 3:18፣ 7:14 ኣረኣእዮ።) ገለ ሰባት ጸቕጥታት ናይ ሰይጣን ዓለም እናረረወ ከደቅሶም ወይ ከዛሕትሎም እንተድኣ ፈቒዶምሉ: ክዳኖም ማለት እቲ ጽሩይ ክርስትያናዊ መለለይኦም ከም ዝጠፍእ ፍሉጥ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዘሕፍር ኢዩ። ንሓደ ሰብ ፈጺሙ ዘጥፍእ ሓደጋ እውን ከምጽኣሉ ይኽእል ኢዩ።

31. (ሀ) ራእይ 16:16 ክርስትያናት ንቑሓት ኰይኖም ክጸንሑ ከም ዘለዎም እተጕልሕ ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ኣርማጌዶን እንታይ ግምት ኢዮም ዝሃቡ፧

31 ኣድላይነት ናይ ንቑሓት ምዃን ንክርስትያናት ዝያዳ ብህጹጽ ኣገዳሲ ዝኸውን እዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ናይ መጽሓፍ ራእይ ኣብ ምፍጻም ገጹ ክኸይድ ከሎ ኢዩ:- “ንሳቶም [ናይ ኣጋንንቲ መንፈስ ዝነፈሶም መግለጺታት] ከኣ [ነቶም ምድራውያን ነገስታት ወይ ገዛእቲ] ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ አከብዎም።” (ራእይ 16:16) እዛ መብዛሕትኡ ግዜ ኣርማጌዶን ተባሂላ እትፍለጥ ስም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓንቲ ቦታ ጥራይ ኢያ ተጠቒሳ ዘላ። ንሰባት ግን ግምታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝህቡ ገይራቶም ኢያ። መራሕቲ ዓለም ኑክሌራዊ ኣርማጌዶን ክመጽእ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኢዮም። ኣርማጌዶን ምስታ ጥንታዊት ከተማ መጊዶ እውን ተተሓሒዛ ኣላ፣ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እዛ ከተማ እዚኣ ወሳኒ ውግኣት ይካየደላ ነበረ: ስለዚ ኸኣ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ናይ መወዳእታ ውግእ ናይ ምድሪ ኣብዛ ውስንቲ ቦታ እዚኣ ክፍጸም ኢዩ ኢሎም ይግምቱ። በዚ ካብ ሓቂ ኣዝዮም ርሒቖም ኣለዉ።

32, 33. (ሀ) እታ ሃር-ማጌዶን ወይ ከኣ ኣርማጌዶን እትብል ስም ቃል ብቓሉ ቦታ ዘይኰነስ እንታይ ኢያ እተመልክት፧ (ለ) ምስ “ኣርማጌዶን” ዝመሳሰል ወይ ዝዛመድ እንታይ ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ኣሎ፧ (ሐ) እቲ ሻውዓይ መልኣኽ ነታ ናይ መወዳእታ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ዘፍስሰላ ግዜ መዓስ ኢዩ፧

32 እታ ሃር-ማጌዶን እትብል ስም “ከረን መጊዶ” ማለት ኢያ። እንተዀነ ግን ኣብ ክንዲ ቃል ብቓሉ ቦታ እትኸውን: ነቲ ህዝብታት ኣብ መወዳእትኡ ንኽጠፍኡ ኣንጻር የሆዋ ዝእከብሉ ናይ ዓለም ኵነታት ኢያ እተመልክት። እዚ ዓለምለኻዊ ስፍሓት ዘሎዎ ኢዩ። (ኤርምያስ 25:31-33፣ ዳንኤል 2:44) እዚ ምስቲ ህዝብታት ብየሆዋ ክጠፍኡ ዝእከቡሉ “ዓቢ መጽመቝ:” ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ: “ለሰ ምምዳብ:” ከምኡውን “ለሰ ዮሳፋጥ” ሓደ ኢዩ። (ራእይ 14:19፣ ዮኤል 3:12, 14) ናይ ሰይጣን ሰራዊት: ጎግ ማጎግ ዝድምሰሰሉ “ሃገር እስራኤል” ከምኡውን እቲ ንጉስ ሰሜን ኣብ ኢድ ሚካኤል እቲ ዓቢ መስፍን ክወድቕ ‘ናብ መወዳእታኡ ብምብጻሕ’ “ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ኽብርቲ ቅድስቲ ደብርን” ዝዀነሉ ቦታ እውን ተባሂሉ ኣሎ።።—ህዝቅኤል 38:16-18, 22, 23፣ ዳንኤል 11:45–12:1

33 ህዝብታት በቲ ካብ ሰይጣንን ምድራውያን ልኡኻቱን ዝወጽእ ሕማቕ ፕሮፖጋንዳ ኣብዚ ኵነታት እዚ ንኽበጽሑ ምስ ተጠዋወዩ: እቲ ሻውዓይ መልኣኽ ነታ ናይ መወዳእታ ጽዋእ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ዘፍስሰላ ግዜ ክኸውን ኢዩ።

“ኰይኑ”!

34. እቲ ሻውዓይ መልኣኽ ጽውኡ ኣበይ ኢዩ ዘፍስሳ: “ካብታ መቕደስ ካብቲ ዝፋን”ከ እንታይ ኣዋጅ ኢዩ ዝወጽእ፧

34 “እቲ ሳብዓይውን ጽዋኡ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ። ካብታ መቕደስ ካብቲ ዝፋን ከኣ፤ ኰይኑ: ዚብል ብርቱዕ ድምጺ ወጸ።”—ራእይ 16:17

35. (ሀ) እቲ ኣብ ራእይ 16:17 ዘሎ “ኣየር” እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ሻውዓይ መልኣኽ ነታ ጽዋእ ኣብ ልዕሊ ኣየር ምፍሳሱ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧

35 እቲ መዓት ዝወርዶ ናይ መጨረሽታ ንህይወት ዝዕንግል ክፍሊ “ኣየር” ኢዩ። እዚ ግን እቲ ቃል ብቓሉ ኣየር ኣይኰነን። ከምቲ ቃል ብቓሉ ምድሪ: ባሕሪ: ዓይኒ ማያት: ወይ ጸሓይ ናይ ጥፍኣት ፍርድታት የሆዋ ክበጽሖ ዘየድልዮ: እቲ ቃል ብቓሉ ኣየርውን ናይ ጥፍኣት ፍርድታት የሆዋ ከም ዝወርዶ ዘግብር ምኽንያት ዋላ ሓንቲ የለን። ኣብ ክንድኡስ እዚ “ኣየር” እዚ: እቲ ጳውሎስ ንሰይጣን “ሓለቓ ስልጣን ኣየር” ክብሎ ከሎ ዝጠቐሶ ኢዩ። (ኤፌሶን 2:2) እዚ እቲ ዓለም ሎሚ እተተንፍሶ ዘላ ሰይጣናዊ “ኣየር:” እቲ መለለዪ ናይዚ እኩይ ኣገባብ ብምልኡ ኰይኑ ዘሎ መንፈስ ወይ ሓፈሻዊ ኣእምሮኣዊ ዝንባለ: እቲ ካብ ማሕበር የሆዋ ወጻኢ ኣብ ኵሉ መዳይ ናይ ህይወት ኣትዩ ዘሎ ሰይጣናዊ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ስለዚ እቲ ሻውዓይ መልኣኽ ጽውኡ ኣብቲ ኣየር ብምፍሳስ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣንጻር ሰይጣን: ኣንጻር ማሕበሩ: ከምኡውን ኣንጻር ኵሉ እቲ ሰይጣን ንሉዓላውነት የሆዋ ክከራኸሮ ከሎ ወድሰብ ንኽድግፎ ዘለዓዕሎ ነገራት ይገልጽ።

36. (ሀ) እቶም ሸውዓተ መዓታት እንታይ ዝሓዙ ኢዮም፧ (ለ) እቲ “ኰይኑ” ዝብል የሆዋ ዝኣወጆ እንታይ የመልክት፧

36 እዝን እቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ መዓታትን ብዛዕባ ፍርድታት የሆዋ ኣንጻር ሰይጣንን ኣገባቡን ጠቕላላ ጸብጻብ ይህቡና። ንሰይጣንን ንዘርኡን ናይ ጥፍኣት ኣዋጃት ኢዮም። እዛ ናይ መጨረሽታ ጽዋእ ምስ ፈሰሰት የሆዋ ባዕሉ “ኰይኑ” ኢሉ ክእውጅ ኢዩ። ካልእ ዝበሃል የልቦን። ትሕዝቶ ናይተን ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ ንየሆዋ ብዘዕግብ ኣገባብ ምስ ተዘርግሐ: ነቲ በዘን መልእኽትታት እዚኣተን እተኣወጀ ፍርድታት የሆዋ ንምፍጻም ኣይክድንጕን ኢዩ።

37. ድሕሪ ምፍሳስ ናይታ ሻውዓይቲ ጽዋእ ቍጥዓ ኣምላኽ: እንታይ ከም ዝፍጸም ዮሃንስ ከመይ ገይሩ ይገልጾ፧

37 ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን ድማ ዀነ። ከምኡ ዝበለ ኽንድዚ ዚአክል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርስ: ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚፍጠር ከቶ ዘይኰነ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። እታ ዓባይ ከተማ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተመቕለት ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ። እታ ዓባይ ባቢሎን ድማ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓኡ ጽዋእ ወይኒ ኺህባ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት። ብዘለዋ ደሴታት ሀደማ: ኣኽራንውን ኣይተረኽቡን። ኣስታት ሓደ መክሊት ዝምኽባዱ ገዚፍ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መዓት ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝዀነ: እቶም ሰብ ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ።”—ራእይ 16:18-21

38. (ሀ) በቲ “ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ:” (ለ) በቲ ዓባይ ባቢሎን እታ “ዓባይ ከተማ” ኣብ “ሰለስተ ኽፍሊ” ምምቕቓላ: (ሐ) በቲ ‘ብዘለዋ ደሴታት ምህዳመንን ኣኽራንውን ዘይምርካቦም:’ (መ) በቲ “መዓት በረድ:” ተመሲሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧

38 ሕጂውን እንደገና የሆዋ ብዘየጋጊ መገዲ ገጹ ናብ ደቅሰብ ይገብር: እዚ ኸኣ ብ“በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን” ይግለጽ። (ምስ ራእይ 4:5፣ 8:5 ኣረኣእዮ።) ደቅሰብ ቅድሚ ሕጂ ኰይኑ ብዘይፈልጥ መገዲ: ብዘጥፍእ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም እተናወጹ ክዀኑ ኢዮም። (ምስ ኢሳይያስ 13:13፣ ዮኤል 3:16 ኣረኣእዮ።) እዚ ዕዉት ዝዀነ ምንዋጽ እዚ ንዓባይ ባቢሎን “እታ ዓባይ ከተማ” ናብ “ሰለስተ ኽፍሊ”—ከም ዘይትሓዊ ኰይና ከም እትጠፍእ ዘርኢ ምሳሌ—ብምምቃል ክበታትና ኢዩ። “ከተማታት ኣህዛብውን” ክወድቃ ኢየን። “ብዘለዋ ደሴታት” ከምኡውን ‘ኣኽራን’—እቲ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ንሓዋሩ ነባሪ ዝመስል ዝነበረ ትካላትን ማሕበራትን—ከልግስ ኢዩ። ካብቲ ንግብጺ ኣብቲ ሻውዓይ መዓት ዝወቕዓ ኣጸቢቑ ዝዓቢ: ነፍሲ ወከፉ ሓደ መክሊት ዝምኽባዱ “ገዚፍ በረድ” ንወድሰብ ብዘሳቒ መገዲ ክወቕዖ ኢዩ። d (ዘጸኣት 9:22-26) እዚ ቀጻሊ ዝዀነ ምፍሳስ ናይቲ ኣብ በረድ እተቐየረ ማያት ነቲ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ከም ዝመጸ ዘርኢ ከቢድ ቃላት ናይ ፍርድታት የሆዋ ኢዩ ዘመልክት! የሆዋ ኣብቲ ናይ ምጥፋእ ዕዮኡ ቃል ብቓሉ በረድ እውን ክጥቀም ይኽእል ኢዩ።—እዮብ 38:22, 23

39. እተን ሸውዓተ መዓት እኳ እንተፈሰሳ: መብዛሕትኦም ደቅሰብ እንታይ ስጕምቲ ኢዮም ክወስዱ፧

39 በዚ ኸምዚ ናይ ሰይጣን ዓለም ምስቲ ጻድቕ ፍርዲ የሆዋ ክትጋጠም ኢያ። መብዛሕትኦም ደቅሰብ ክሳዕ መወዳእታ ንኣምላኽ ምቅዋምን ምጽራፍን ክቕጽሉ ኢዮም። ልክዕ ከምቲ ናይ ጥንቲ ፈርኦን ዝገበሮ በቲ ዝደጋገም መዓት ወይ ከኣ በቲ ናይ መወዳእታ ቀታሊ ዝዀነ መዛዘሚ ናይተን መዓታት ኣልባቦም ኣይክልስልስን ኢዩ። (ዘጸኣት 11:9, 10) መጠነ-ሰፊሕ ዝዀነ ናይ ልቢ ለውጢ ብኣፈርክቡ ኣይክህሉን ኢዩ። ትንፋሶም እናወጸት እኳ ነቲ “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም” ኢሉ ዝእውጅ ኣምላኽ ክወቕስዎ ኢዮም። (ህዝቅኤል 38:23) ይኹን እምበር: ሉዓላውነት ናይቲ ዅሉ ዝኽእል የሆዋ ኣምላኽ ክረጋገጽ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ህይወት ዘይብሎም ነገራት ከም ምስክር ክቘሙ ከም ዝኽእሉ ኣብነታት ንምርካብ ምስ ዘፍጥረት 4:10፣ 31:44-53፣ እብራውያን 12:24 ኣረኣእዮ።

b እቲ “ዝፋን” ዝብል ቃል ብተመሳሳሊ ኣብቲ ብትንቢት ኣብ የሱስ ዝውዕል ቃላት ተዘውቲሩ ኣሎ: ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ኣምላኽ ንዘይተወሰነ እዋን: አረ ንዘለኣለም ዝፋንካ ኢዩ።” (መዝሙር 45:6 NW) ናይ የሱስ ንጉሳዊ ስልጣን ምንጪ ወይ መሰረት የሆዋ ኢዩ።

d ኣብ ኣእምሮ ዮሃንስ ዝነበረ እቲ ናይ ግሪኽ መክሊት እንተድኣ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍ በረድ 20 ኪሎ ግራም ይምዘን ማለት ኢዩ። ብሓቂ ዘጽንት በረድ ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 221 ዘሎ ሳጹን]

“ናብ ምድሪ”

እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ቍጥዓ የሆዋ ኣንጻር “ምድሪ” ብኸምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ገይሩ ዘርግሖ:-

“ድሕሪ ናይ ብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ጻዕሪ: ፖለቲካውያን ሰልፍታት ነዚ ዘሎ ኵነታት ክጋጠምዎን እቲ ዘጨንቕ ግድላት ክፈትሕዎን ከም ዘይበቕዑ ኣረጋጊጾም። ነቲ ሕቶ ብትግሃት ዘጽንዑ ናይ ስነ-ቝጠባ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ዋላ ሓንቲ ክገብሩ ከም ዘይክእሉ ተረድኡ።”—ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም (እንግሊዝኛ) 1920 ገጽ 61

“ሎሚ ንሓደ እተወሰነ ክፍሊ ናይ ምድሪ ከዕግብ ዝኽእል መንግስቲ ኣብ ዓለም ፈጺሙ የለን። መብዛሕትአን ሃገራት ብውልቀ-መለኽቲ እየን ዝግዝኣ። ብዘላ ዓለም ኣብ ጥፈሻ ኢያ ዘላ።”—እትብሃግ መንግስቲ (እንግሊዝኛ) 1924 ገጽ 5

“ዓለም ካብ እከይ ክትነጽህ ከምኡውን ሰላምን ጽድቅን ዝዕምብበሉ ቦታ ክረክብ ዝኽእለሉ እንኮ መገዲ . . . ነዚ ኣገባብ እዚ መወዳእታ ምምጻእ ኢዩ።”—“ብስራት መንግስቲ” 1954 ገጽ 25

“እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ዓለም ስርዓት ብእናወሰኸ ዝኸይድ ሓጢኣት: ረሲእነት: ከምኡውን ዕልወት ካብ ኣምላኽን ዕላማታቱን ፍሉጥ ኰይኑ ኢዩ። . . . ክጽገን ዘይክእል ኢዩ። ስለዚ ከልግስ ኣለዎ!”—ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) 15 ሕዳር 1981 ገጽ 6

[ኣብ ገጽ 223 ዘሎ ሳጹን]

“ናብ ባሕሪ”

እዚ ዝስዕብ ገለ ካብቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ቍጥዓ ኣምላኽ ኣንጻር እዚ ዕረፍቲ ዘይብሉ ዓለወኛ “ባሕሪ” ናይዚ ብዘይ ኣምላኽ ዝዀነ ካብ የሆዋ ዝረሓቐ ወድሰብ ንምእዋጅ በቶም ክፍሊ ዮሃንስ እተሓትመ ጽሑፋት ኢዩ:-

“ናይ ኵለን ሃገራት ታሪኽ ናይ መደብ ቃልሲ ከም ዝነበረ የርኢ። ሒደት ኣንጻር እቶም ብዙሓት ኢዩ ነይሩ። . . . እዚ ቃልስታት እዚ ብዙሕ ሰውራታት: ብርቱዕ ስቓያት: ከምኡውን ብዙሕ ምፍሳስ ደም ኣስዓበ።”—መንግስቲ (እንግሊዝኛ) 1928 ገጽ 244

ኣብታ ሓዳስ ዓለም “እቲ ምሳልያዊ ‘ባሕሪ’ ናይቶም ዕረፍቲ ዘይብሎም: ዓለወኛታት: ብዘይኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት ኣይክህሉን ኢዩ: ነዊሕ ይገብር ሰይጣን ንጥቕሙ ኢሉ ነቲ ምሳልያዊ ኣራዊት ካብዚኣቶም ኢዩ ኣምጺእዎ ነይሩ።”—ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) 15 መስከረም 1967 ገጽ 567

“እዚ ሕጂ ዘሎ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ብመንፈስ ተኸሲኡን ሓሚሙን ኢዩ ዘሎ። ዋላ ሓደ ካባና ከሕውዮ ኣይክእልን ኢዩ: ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ሕማሙ ናብ ሞት ዘብጽሕ ምዃኑ የርኢ ኢዩ።”—ናይ ሓቂ ሰላምን ድሓንን—ካበየናይ ምንጪ፧ (እንግሊዝኛ) 1973 ገጽ 131

[ኣብ ገጽ 224 ዘሎ ሳጹን]

“ናብ ርባታትን ዔላታትን”

እቲ ሳልሳይ መዓት ‘ንርባታትን ዔላታትን’ በዚ ዝስዕብ ሓሳባት ገይሩ ኣቃልዐ:-

“እቶም [ናይ ክርስቶስ] ሰረተ-እምነት መምህራን ኢና ዝብሉ ኣቕሽሽቲ: ንውግእ ባሪኾም: ቅዱስ ነገር ገይሮም ከኣ ርእዮሞ። ስእልታቶምን ምስልታቶምን ምስቲ ናይቶም ምሕረት ዘይብሎም ተዋጋእቲ ጎድኒ ንጎድኒ ንትርኢት ብምቕራቡ ባህ ኢሉዎም ኢዩ።”—ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) 15 መስከረም 1924 ገጽ 275

“መንፈሳውነት [ሓተታ መናፍስቲ] ኣብቲ ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ከምኡውን ናይ ሰብ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ዓቢ ሓሶት እተመስረተ ኢዩ።”—ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ “ህይወት ድሕሪ ሞት” እንታይ ይብል (እንግሊዝኛ) 1955 ገጽ 51

“ሰብኣዊ ፍልስፍናታት: ፖለቲካዊ ክልሰ-ሓሳባት ዘቕርቡ ሰባት: ማሕበራዊ ኣወሃሃድቲ: ናይ ቍጠባ ኣማኸርቲ: ከምኡውን ናይ ሃይማኖታዊ ልምድታት ተጣበቕቲ ህይወት ዝህብ ናይ ሓቂ ምሕዳስ ኣየምጽኡን። . . . ከምዚ ዝበለ ማያት እቶም ሰተይቱ ነቲ ብዛዕባ ቅድስና ደም ዘሎ ሕጊ ናይ ፈጣሪ ንኽጥሕስዎ: ከምኡውን ኣብ ሃይማኖታዊ መስጐግቲ ንኽጽመዱ መሪሕዎም ኢዩ።”—ኣብቲ “ዘለኣለማዊ ብስራት” ዝብል ናይ 1963 ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ተቐባልነት ዝረኸበ ውሳነ።

“ካብ ሰብ: ስነ-ፍልጠታዊ ምድሓን ዘይኰነስ: ጥፍኣት ናይ ሰብኣዊ ዓሌት ኢዩ ትጽቢት ዝግበር። . . . ንዅሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሳይኮሎጂስትን ሳይክያትሪስትን ናይ ወድሰብ ኣተሓሳስባ ንኽልውጡ ትጽቢት ክንገብረሎም ኣይንኽእልን ኢና። . . . ነዛ ምድሪ ክትነብራ እትኽእል ድሓን ቦታ ክገብራ . . . ኣብ ዝዀነ ይኹን ዝቐውም ኣህጉራዊ ናይ ፖሊስ ሓይሊ ክንውከል ኣይንኽእልን ኢና።”—በቲ ናይታ መንግስቲ መገዲ ገይርካ ሰብኣዊ ዓሌት ምድሓን (እንግሊዝኛ) 1970 ገጽ 5

[ኣብ ገጽ 225 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ጸሓይ”

ናይ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ “ጸሓይ” ኣብ መዓልቲ ጐይታ ንወድሰብ ‘ከተንድዶ’ ኸላ: እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ብኸምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ገይሩ ናብቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ኣተኰረ:-

“ሎሚ ሂትለርን ሙሶሊንን: እቶም ብኢደ ወነኖም ዝገዝኡ ውልቀ-መለኽቲ: ናይ ብምልእታ ዓለም ሰላም የስግኡ ኣለዉ: ኣብቲ ናጽነት ኣብ ምጥፋእ ዝገብርዎ ኸኣ ብናይ ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ሓለፍቲ ምሉእ ብምሉእ ይድገፉ ኢዮም።”—ፋሽስተትዶ ናጽነት (እንግሊዝኛ) 1939 ገጽ 12

“ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ሰብኣውያን ውልቀ-መለኽቲ ዝሰዓብዎ መምርሒ ግዛእ ወይ ኣዕኑ ዝብል ኢዩ! ሕጂ እቲ ኣምላኽ ዘንገሶ ንጉስ: የሱስ ክርስቶስ: ኣብ ብዘላ ምድሪ ዝትግብሮ መምርሒ ግን ተገዛእ ወይ ዕኖ ዝብል ኢዩ።”—ኵሎም ህዝብታት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሓበሩ (እንግሊዝኛ) 1961 ገጽ 23

“ካብ 1945 ኣብቲ ኣብ ብዘላ ዓለም እተገብረ 150 ውግኣት ልዕሊ 25 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም።”—ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) 15 ጥሪ 1980 ገጽ 6

“ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃገራት . . . ብዛዕባ ኣህጉራዊ ሓላፍነት ወይ ናይ ጠባይ መምርሒታት ብዙሕ ኣይግደሳን ኢየን። ገለ ሃገራት ኣብቲ ዝመደብኦ ምእንቲ ክበጽሓ የድሊ ኢዩ ዝበልኦ ዝዀነ ሜላ—ጃምላዊ ማሕረዲ: ምቕታል: ምጭዋይ: ምብራዕ ከምኡ ዝበለ ካልእን—ክጥቀማ ዝኽእላ ኰይኑ ይስምዐን። . . . ሃገራት ኣብ ንሓድሕደን ብኸምዚ ዝበለ ስምዒት ዘይብሉን ናይ ሓላፍነት ስምዒት ዝጐደሎን ጠባይ ዝቕጽላ ክሳዕ መዓስ ኢዩ፧”—ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) 15 ለካቲት 1985 ገጽ 4

[ኣብ ገጽ 227 ዘሎ ሳጹን]

“ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ዝመስል ገይሮም ንዝፋን ናይቲ ኣራዊት ኣቃሊዖም: ፍርድታት የሆዋ ኸኣ ዘርጊሖም ኢዮም:-

“ናይ ሃገራት ገዛእትን ፖለቲካውያን መራሕትን በቶም ናብቲ ርእሰ-ቕትለት ዝዀነ ጕዕዞ ናይቲ ወሳኒ ማለት ግርጭት ኣርማጌዶን ገጾም ዝመርሕዎም እኩያት ሓይልታት ልዕለ-ባህሪ ኢዮም ዝጽለዉ።”—ድሕሪ ኣርማጌዶን—ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ) 1953 ገጽ 8

“እቲ ዘይቲኦክራሲያዊ ናይ ሰብ ምምሕዳር ዝዀነ ‘ኣራዊት:’ ሓይሉን ስልጣኑን ዝፋኑን ካብቲ ገበል ኢዩ ተቐቢልዎ። ስለዚ ምስቲ ወገኑ ዝዀነ ገበል ክሰማማዕ ኣለዎ።”—ድሕሪ ኣርማጌዶን—ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ) 1953 ገጽ 15

“እዘን ናይ ኣህዛብ ሃገራት ንገዛእ ርእሰን . . . ኣብ ወገን ናይቲ ቀንዲ ተጻራሪ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኢየን ክገብርኣ ዝኽእላ።”—ኣብቲ “መለኮታዊ ዓወት” ዝብል ናይ 1973 ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ተቐባልነት ዝረኸበ ውሳነ።

[ኣብ ገጽ 229 ዘሎ ሳጹን]

“ማዩ ነጸፈ”

ሕጂ እውን ከይተረፈ እቶም “ነገስታት ምብራቕ ጸሓይ” ከጥቅዑ ከለዉ እንታይ ከም ዝኸውን ብምምልካት: ንባቢሎናዊ ሃይማኖት ምድጋፍ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ይነጽፍ ኣሎ።

“ሓደ ሃገራዊ መጽናዕቲ 75 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ከባቢ ከተማ [ታይላንድ] ዝነብሩ ቅዳሴ ክሰምዑ ናብ ናይ ቡድሂስት ኣብያተ መቓድስ ፈጺሞም ከም ዘይከዱ: ናይቶም ኣብ ሃገረሰባት ዝነብሩ ኸኣ ቍጽሮም ዳርጋ 50 ካብ ሚእቲ ይጐድል ከም ዘሎ ረኸበ።”—ባንኮክ ፖስት 7 (እንግሊዝኛ) መስከረም 1987 ገጽ 4

“ናይ ታኦኢዝም ሽሕር ኣብቲ ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር እተመስረተሉ ሃገር [ቻይና] ጠፊኡ ኢዩ። . . . ኣባላት ናይ ክህነት እቲ ንዓኣቶምን ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩን ብዙሓት ሰዓብቲ ንምርካብ ዝጠቕሞም ዝነበረ ሽሕር ስለ ዘይብሎም ብዘይ ተካእቲ ይተርፉ ኣለዉ: ኣብታ ሃገር እተመሓደረ እምነት ናይ ታኦኢዝም ናብ ምጽናት ገጹ ይኸይድ ኣሎ።”—ዘ ኣትላንታ ጆርናል ኤንድ ኮንስቲቱሽን (እንግሊዝኛ) 12 መስከረም 1982 ገጽ 36-A

“ጃፓን . . . ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ናይ ወጻእተኛታት ሚሲዮናውያን ጻዕቂ ዘለዋ ኢያ: ዳርጋ 5,200 ዝዀኑ ኣለዉ:  . . . እንተዀነ ግን: ቍጽሪ ናይቶም ክርስትያን ካብ 1 ሚእታዊ ናይቲ ህዝቢ ንታሕቲ ኢዩ።  . . . ሓደ ካብ 1950ታት ኣትሒዙ ኣብዚ ዝዓዪ ዝነበረ ናይ ፍራቸስኮስ ካህን . . . ‘ናይ ወጻእተኛታት ሚስዮናውያን መዓልቲ ኣብ ጃፓን ምውድኡ’ ኢዩ ዝኣምን።”—ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል (እንግሊዝኛ) 9 ሓምለ 1986 ገጽ 1

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት “ካብተን 16,000 ናይ ኣንግሊካን ኣብያተ ክርስትያናት: ዳርጋ 2,000 ብምኽንያት ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ተዓጽየን ኢየን። ኣብተን ክርስትያን ምዃነን ዝኣወጃ ሃገራት ቍጽሪ ተኣከብቲ ኣዝዩ ትሒቱ ኢዩ ዘሎ። . . . [እቲ ናይ ዱራም ኣቡን] ‘ሕጂ እቲ ጉዳይ ዓዲ እንግሊዝ ክርስትያን ሃገር ምዃና ኣይኰነን’ በለ።”—ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ (እንግሊዝኛ) 11 ግንቦት 1987 ገጽ A4

“ድሕሪ ናይ ሰዓታት ርሱን ክርክር: እቲ ናይ ሶሻሊስት መንግስቲ ነቲ ብናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ እተታሕዘ ኣዝዩ ዓቢ መሬት ክወስድ ዘኽእሎ ሕጊ [ናይ ግሪኽ] ባይቶ ኣጽዲቑ። . . . ብተወሳኺ እቲ ሕጊ: ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ቤት ምኽርን ነቲ ንሆቴላት: እምነ-በረድ ዝኩዓተሉ ቦታታት ከምኡውን ኣብያተ ጽሕፈት ዘጠቓለለ ናይ ቤተ-ክርስትያን ክቡር ወፍሪ ንምምሕዳር ሓላፍነት ዘሎዎም ኮሚቴታትን እቶም ናይ ቤተ-ክህነት ኣባላት ዘይኰኑ ሰባት ክቆጻጸሩን ኣፍቀደሎም።”—ዘ ኒው ዮርክ ቲምስ (እንግሊዝኛ) 4 ሚያዝያ 1987 ገጽ 3

[ኣብ ገጽ 222 ዘሎ ስእልታት]

እተን ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ጽዋኣት ቍጥዓ ኣምላኽ ምስቲ ካብቲ ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ምንፋሕ መለኸት ዝመጽእ መዓት ዝመሳሰላ ኢየን

[ኣብ ገጽ 226 ዘሎ ስእሊ]

ዝፋን እቲ ኣራዊት: እቲ ሰይጣን ነቲ ኣራዊት ዝሃቦ ስልጣን ምዃኑ እታ ሓምሸይቲ ጽዋእ ኣቃልዐት

[ኣብ ገጽ 231 ዘሎ ስእልታት]

ጋኔናዊ ፕሮፓጋንዳ ንገዛእቲ ምድሪ ናብታ ፍርድታት የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርደሉ ኣርማጌዶን ይእክቦም ኣሎ

[ኣብ ገጽ 233 ዘሎ ስእሊ]

እቶም በቲ እተመረዘ ናይ ሰይጣን “ኣየር” ዝድረኹ እቲ ጻድቕ ፍርድታት የሆዋ ከጥፍኦም ኢዩ