ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ዓድግ

ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ዓድግ

ምዕራፍ 13

ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ዓድግ

ሎዲቅያ

1, 2. ካብቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ መልእኽቲ እተቐበላ ሾብዓተ ጉባኤታት እታ ናይ መወዳእታ ቦትኣ ኣበይ ነበረ: ገለ ናይታ ከተማ ነገራትከ እንታይ ኢዮም፧

 ሎዲቅያ ካብተን ናይቲ ዝተንስአ የሱስ መልእኽቲ እተቐበላ ሾብዓተ ጉባኤታት እታ ናይ መወዳእታ ኢያ። ኣየ ከመይ ዝበለ ዓይኒ ዝኸፍትን ዘለዓዕልን ሓበሬታ ኰን ኢያ እተመሓላልፍ!

2 ሎሚ ዑናታት ሎዲቅያ ዳርጋ 88 ኪሎ ሜተር ብደቡባዊ ምብራቕ ኣላስሒር ጥቓ ደኒዝሊ ይርከብ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ሎዲቅያ ብልጽግቲ ከተማ ኢያ ነይራ። ኣብ ቀንዲ መራኸቢ መገዲ ብምንባራ ኸኣ ናይ ባንክን ንግድን ቀንዲ ሕምብርቲ ነበረት። ናይቲ ዝነበራ ፍሉጥ ኵሕሊ መሸጣ ድማ ሃብታ የኻዕብተላ ነበረ: ከምኡውን በቲ እተፍርዮ ካብ ጽሩይ ጸሊም ጸምሪ ዝስራሕ ዝነበረ ዝበለጸ ዓይነት ክዳውንቲ ውርይቲ ኢያ ነይራ። እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይታ ከተማ ዋሕዲ ማይ ነበረ: እዚ ኸኣ ካብ ሓደ ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ዝርከብ ምንጪ ማይ ውዑይ ብመትረብ ብምስሓብ ተፈትሐ። ስለዚ: እቲ ማይ ኣብታ ከተማ ክበጽሕ ከሎ ልብጥ ዝበለ ኢዩ ነይሩ።

3. የሱስ ነቲ ናብታ ኣብ ሎዲቅያ ዝነበረት ጉባኤ ዝሰደዶ መልእኽቲ ብኸመይ ይኸፍቶ፧

3 ሎዲቅያ ኣብ ጥቓ ቈሎሴ ኢያ ነይራ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈሎሴ ክጽሕፈሎም ከሎ ነታ ንሰብ ሎዲቅያ ዝሰደደሎም ደብዳበ ይጠቅስ። (ቈሎሴ 4:15, 16) ጳውሎስ ኣብታ ደብዳበ እቲኣ እንታይ ከም ዝበለ ኣይንፈልጥን ኢና: እቲ የሱስ ንሰብ ሎዲቅያ ዝሰደዶ መልእኽቲ ግን ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ኵነታት ወዲቖም ከም ዝነበሩ የርኢ። ይኹን እምበር: የሱስ ከምቲ ልሙድ መጀመርታ መንነቱ ብምጥቃስ ከምዚ ይብል:- “ናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሐፍ፤ እቲ ኣሜን: እሙን ሓቀኛ ምስክር: መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ: ከምዚ ይብል አሎ።”—ራእይ 3:14

4. የሱስ “እቲ ኣሜን” ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

4 የሱስ ንርእሱ “እቲ ኣሜን” ኢሉ ዝጽውዓ ስለምንታይ ኢዩ፧ እዚ መዓርግ እዚ ነታ መልእኽቱ ናይ ፍርዲ ክብደት ይውስኸላ። እታ “ኣሜን” እትብል ቃል ናይ እብራይስጢ ስግረ-ፊደል ኢያ: ትርጕማ ድማ “ብርግጽ”: “ከምኡ ይኹን” ማለት ኢዩ: ጸሎት ምስ ተወድአ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ስምዒታት ንምርግጋጽ ድማ ትዝውተር። (1 ቈረንቶስ 14:16) የሱስ “እቲ ኣሜን” ኢዩ: ከመይሲ በቲ ሕፍቲ ዘይብሉ ንጽህንኡን መስዋእታዊ ሞቱን ኣቢሉ እቲ ዅሉ ተስፋታት ናይ የሆዋ ከም ዝፍጸም ኣረጋጊጹን ዋሕስ ኰይኑን ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:20) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኸኣ ኵሉ ጸሎት ብየሱስ ኣቢሉ ናብ የሆዋ ብግቡእ ይቐርብ።—ዮሃንስ 15:16፣ 16:23, 24

5. የሱስ እቲ “እሙን ሓቀኛ ምስክር” ዝዀነ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

5 የሱስ እቲ “እሙን ሓቀኛ ምስክር” እውን ኢዩ። ንሱ ከም ኣገልጋሊ የሆዋ ኣምላኽ መጠን እቲ ምሉእ ትውክልቲ ዝግበሮ ስለ ዝዀነ: ኣብ ትንቢት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ተኣማንነት: ሓቂ: ከምኡውን ጽድቂ ኢዩ ዝተሓሓዝ። (መዝሙር 45:4፣ ኢሳይያስ 11:4, 5፣ ራእይ 1:5፣ 19:11) ንሱ እቲ ዝዓበየ ናይ የሆዋ ምስክር ኢዩ። አረ የሱስ: “መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ” ብምዃኑ: ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ክብሪ ኣምላኽ ነጊሩ ኢዩ። (ምሳሌ 8:22-30) ከም ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ከሎውን ንሓቂ መስኪሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 18:36, 37፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:13) ድሕሪ ትንሳኤኡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝህቦም ኣተስፈዎም: ከምዚ ኸኣ በሎም:- “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም።” ካብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ንደሓር ድማ የሱስ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ብስራት ክሰብኩ መርሖም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:6-8፣ ቈሎሴ 1:23) ብሓቂ: የሱስ እቲ እሙን ሓቀኛ ምስክር ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝግብኦ ኢዩ። ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት ድማ ቃሉ ብምስማዕ ክጥቀሙ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።

6. (ሀ) የሱስ ንመንፈሳዊ ኵነታት ናይታ ኣብ ሎዲቅያ ዝነበረት ጉባኤ ዝገልጾ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ንኸመይ ዝበለ የሱስ ዝገደፎ ሰናይ ኣርኣያ ኢዮም ዘይሰዓብዎ፧

6 የሱስ ንሰብ ሎዲቅያ ዘለዎ መልእኽቲ እንታይ ኢዩ፧ ዋላ ሓንቲ ናይ ናእዳ ቃል የብሉን። ብግልጺ ኸኣ ከምዚ ይብሎም:- “ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ: ግብርኻ እፈልጥ አሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ: ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ።(ራእይ 3:15, 16) ካብ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ዝመጸካ ኸምዚ ዝበለ መልእኽቲ ብኸመይ ምተቐበልካዮ፧ ነቒሕካ ንርእስኻ ኣይምመርመርካንዶ፧ እቶም ሰብ ሎዲቅያ ንዅሉ ብሸለልትነት ስለ ዝረኣይዎ ብመንፈስ ዛሕቲሎም ነበሩ: ብርግጽ እምበኣር: ንገዛእ ርእሶም ከነቓቕሕዋ የድልዮም ነበረ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 6:1 ኣረኣእዮ።) እቲ ከም ክርስትያናት መጠን ክመስልዎ ዝነበሮም የሱስ: ወርትግ ንየሆዋን ነገልግሎቱን ሃልሃል ዝብል ቅንኢ ኢዩ ዘርኢ። (ዮሃንስ 2:17) ብተወሳኺውን እቶም ትሑታት: የሱስ ከምቲ ኣብ መዓልቲ ብርቱዕ ሃሩር ዘርዊ ኩባያ ዝሑል ማይ: ሕያዋይን ልኡምን ምዃኑ ርእዮሞ ኢዮም። (ማቴዎስ 11:28, 29) እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ግን ምዉቓት ወይ ዝሑላት ኣይነበሩን። ከምቲ ናብ ከተማኦም ዝውሕዝ ዝነበረ ማይ: ንሳቶም እውን ዝሁማት: ልቡጣት ኢዮም ነይሮም። የሱስ ምሉእ ብምሉእ ነጺጉ: ‘ካብ ኣፉ ጡፍ ክብሎም’ ዝግብኦም ኢዩ! ንሕና ብወገንና ከምቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ንኻልኦት መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ንኽንህብ ኵሉ ግዜ ብቕንኢ እንጽዕር ይግበረና።—ማቴዎስ 9:35-38

‘ሃብታም እየ በልካ’

7. (ሀ) የሱስ መሰረት ጸገም ናይቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ ይገልጾ፧ (ለ) የሱስ ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት “ዕዉርን ዕሩቕን” ዝበሎም ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ጸገም ናይ ሰብ ሎዲቅያ መሰረቱ ብሓቂ እንታይ ኢዩ፧ ካብቲ የሱስ ቀጺሉ “ሃብታምን ፈሳስን እየ: ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ: ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ ” ዝበሎ ቃላት ጽቡቕ ሓሳብ ንረክብ ኢና። (ራእይ 3:17 ምስ ሉቃስ 12:16-21 ኣረኣእዮ።) ኣብ ሓንቲ ብልጽግቲ ከተማ ይነብሩ ብምንባሮም ብሃብቶም ተኣማሚኖም ነበሩ። ምናልባትውን ኣነባብርኦም በቲ ስታድዩም: ትያትራት: ከምኡውን ምውስዋስ ኣካላት ዝግበሮ ቦታታት ይትንከፍ ስለ ዝነበረ “ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” ዀይኖም ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። a (2 ጢሞቴዎስ 3:4) እቶም ብስጋ ሃብታማት ዝነበሩ ሰብ ሎዲቅያ ግን ብመንፈስ ድኻታት ኢዮም ነይሮም። ኣብ ‘ሰማይ መዝገብ’ እንተ ነበሮምውን ሒደት ጥራይ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:19-21) ኣብ ህይወቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ኣብ ክንዲ ዝህቡ: ዓይኒ ኣግፍሑ። ብሓቂ ኣብ ጸልማት ዝነብሩን: ዕዉራትን መንፈሳዊ ኣረኣእያ ዘይብሎምን ኢዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 6:22, 23, 33) ብተወሳኺ ድማ ብሃብቶም ምሩጽ ክዳውንቲ ክገዝኡ ዝኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ ኣብ ቅድሚ የሱስ ግን ዕሩቓት ኢዮም ነይሮም። ክርስትያናት ምዃኖም ዘፍልጦም መንፈሳዊ ኽዳውንቲ ኣይነበሮምን።—ምስ ራእይ 16:15 ኣረኣእዮ።

8. (ሀ) ሎሚውን ከምቲ ናይ ሎዲቅያ ዝመስል ኵነታት ዝህሉ በየናይ መገዲ ኢዩ፧ (ለ) ገለ ክርስትያናት ኣብዛ ስስዕቲ ዓለም ነፍሶም ዝጠበሩ ከመይ ገይሮም ኢዮም፧

8 ከመይ ዝበለ ዘሰምብድ ኵነታት ኰን ኢዩ! እንተዀነ ግን: ሎሚውን ከምኡ ዝኣመሰለ ኵነታት ብዙሕ ግዜ ኣይንርእንዶ ኢና፧ መሰረት ናይቲ ምኽንታይከ እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ንዋታዊ ጥሪትን ሰብኣዊ ብልሓታትን ብምምርኳስ ዝመጽእ ናይ ርእሰ-ምትእምማን ኣረኣእያ ኢዩ። ከምቶም ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝመላለሱ ሰባት: ገለ ኻብ ህዝቢ የሆዋ እውን ሓድሓደ ግዜ ኣኼባታት እንተኸይዶም ንኣምላኽ ከም ዘሐጕስዎ ብምሕሳቦም ንገዛእ ርእሶም ጠቢሮም ኢዮም። “ገበርቲ ቓል” መሲሎም ጥራይ ክመላለሱ ይፍትኑ። (ያእቆብ 1:22) እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ደጋጊሙ እኳ እንተ ኣጠንቀቖም: ልቦም ኣብ ዘመናዊ ኽዳውንትን: ማካይንን ኣባይትን ከም ዝኸውን ገበሩ: ከምኡውን ህይወቶም ኣብ ምዝንጋዕን ተድላን ዘተኰረ ይገብርዎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17) እዚ ዅሉ ኸኣ ምድንዛዝ ናይ መንፈሳዊ ኣቓልቦ የስዕብ። (እብራውያን 5:11, 12) ተገዳስነት ዘይብሎም ልቡጣት ኣብ ክንዲ ዝዀኑ እንደገና ‘ሃልሃል ዝብል መንፈስ’ ከናኽሱን ነቲ ‘ቓል ንምስባኽ’ ዘነቓቕሕ ቅንኢ ከርእዩን የድልዮም።—1 ተሰሎንቄ 5:19፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:2, 5

9. (ሀ) ንልቡጣት ክርስትያናት ኣየኖት ናይ የሱስ ቃላት ኢየን ከሰንብድኦም ዝግባእ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ሓንቲ መገዳ ዝሰሓተት “በጊዕ” በታ ጉባኤ ብኸመይ ክትሕገዝ ትኽእል፧

9 የሱስ ንልቡጣት ክርስትያናት ብኸመይ ኢዩ ዝምልከቶም፧ እተን “ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ” ዝብላ ንጹራት ቃላቱ ከሰንብድኦም ይግባእ። ሕልንኦም ከኣ ነቲ ዘስግእ ኵነታቶም ምግንዛብ ክሳዕ ዝስእን ኢዩ ጐዲሙ። (ምስ ምሳሌ 16:2፣ 21:2 ኣረኣእዮ።) እዚ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ከቢድ ኵነታት እዚ ብቐሊሉ ክውገን ዝኽእል ኣይኰነን። ሽማግለታትን ብኣታቶም እተመዘዙ ካልኦትን ሰናይ ኣርኣያ ናይ ቅንኢ ብምዃንን ብፍቕሪ ብምጕሳይን: ነተን መገደን ዝሰሓታ “ኣባጊዕ” ናብቲ ብምሉእ ልቢ ብምግልጋል ዝረኽብኦ ዝነበራ ናይ ቀደም ሓጐስ ከበራብርወን ይኽእሉ ኢዮም።—ሉቃስ 15:3-7

ምኽሪ ብዛዕባምህብታም

10. እቲ የሱስ ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያን ካብኡ ክዕድግዎ ዝነገሮም “ወርቂ” እንታይ ኢዩ፧

10 ነቲ ኣብ ሎዲቅያ ዝነበረ ዘሕዝን ኵነታት ፈውሲ ኣለዎዶ፧ እወ: እቶም ክርስትያናት ነቲ የሱስ “ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ . . . እመኽረካ አሎኹ” ብምባል ዝሃቦም ምኽሪ እንተድኣ ስዒቦም ይርከቦ ኢዩ። (ራእይ 3:18ሀ) እቲ ብሓዊ እተዀልዐ: ኵሉ ርስሓቱ ዝጸረየ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ “ወርቂ” ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት’ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ። (ሉቃስ 12:21) ከምዚ ዝበለ ወርቂ ካበይ ኢዮም ክገዝኡ ዝኽእሉ፧ ካብቶም ናይቲ ኸባቢ ሸረፍቲ ዘይኰነስ ካብ የሱስ ኢዮም ዝዕድጉ! ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ነቶም ሃብታማት ክርስትያናት “ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ: ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ: ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ: . . . ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ” ንኽእዝዞም ክነግሮ ኸሎ እቲ ወርቂ እቲ እንታይ ከም ዝዀነ ገለጸ። ንገዛእ ርእሶም በዚ መገዲ እዚ ምስ ዝጥቀሙላ ጥራይ ኢዮም ‘ናይ ሓቂ ህይወት ክረኽቡ’ ዝኽእሉ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19) እቶም ብስጋ ሃብታማት ዝነበሩ ሰብ ሎዲቅያ ብመንፈስ ክህብትሙ ምኽሪ ጳውሎስ ክስዕቡ ነበሮም።—ምሳሌ 3:13-18 እውን ተመልከት።

11. ናይቶም “ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ” ዝዕድጉ እንታይ ዘመናዊ ኣብነት ኣሎና፧

11 ዘመናውያን ኣብነታት ናይቶም “ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ” ዝዕድጉ ኣለዉዶ፧ ከመይ ድኣ: ኣለዉ እወ! በቲ መዓልቲ ጐይታ እናቐረበት ትመጸሉ ዝነበረ ግዜ ገለ ንእሽቶ ጕጅለ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ከም ስላሴ: ናይ ነፍሲ ዘይሙማት: ስቓይ ገሃነም እሳት: ሕጻናት ምጥማቕ: ናይ ምስሊ ኣምልኾ (መስቀልን ስእሊ ማርያምን ሓዊስካ) ዝኣመሰለ ብዙሕ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ባቢሎናዊ ዝዀነ ትምህርቲ: ሓሶት ምዃኑ ክነቕሑሉ ጀሚሮም ነበሩ። እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ክጣበቑ ከለዉ መንግስቲ ኣምላኽ እታ ሓንቲ ተስፋ ናይ ደቅሰብ ምዃናን በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ከኣ መሰረት ድሕነት ምዃኑን ኣወጁ። 1914 እታ ትንቢት መጽሐፍ ቅዱስ ዘመናት ኣህዛብ ዝውድኣሉ ኢሉ ዘመልከተላ ዓመት ከም ዝዀነት: ኣብ ምድሪ ድማ ብዘሰንብድ ፍጻመታት ከም እትስነ ዳርጋ 40 ዓመት ኣቐዲሞም ኣመልከቱ።—ራእይ 1:10

12. ካብቶም ዝነቕሑ ክርስትያናት መሪሕነት ወሲዱ ዝነበረ መን ኢዩ: ኣብ ሰማይ መዝገብ ብምግባርከ ከመይ ዝበለ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ፧

12 ኣብ መንጎ እዞም ዝነቕሑ ዝነበሩ ክርስትያናት መሪሕነት ወሲዱ ኣብ መጀመርታ ናይ 1870ታት: ኣብ ኣለጌኒ (ሕጂ ክፍሊ ናይ ፒትስበርግ) ፐንሲልቫንያ ናይ ሕ.መ.ኣ.: ትምህርቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝካየድ ዝገበረ ሓደ ቻርለስ ቴዝ ራስል ነበረ። ራስል ንሓቂ ክደሊ ክጅምር ከሎ ምስ ኣቦኡ ናይ ንግዲ ሽርከነት ነበሮ: ሚልዮነር ኣብ ምዃን ገጹ ኸኣ ይኸይድ ነበረ። ንሱ ግን ነቲ ኣብቲ ናይ ንግዲ ድኳናት ዝነበሮ ብርኪ ሸይጡ እቲ ሃብቱ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንምስፋሕ ክሕግዝ ተጠቕመሉ። ብ1884 ድማ ራስል እቲ ቐዳማይ ፕረዚደንት ናይታ ሎሚ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ናይ ፐንሲልቨንያ እትበሃል ዘላ ትካል ኰነ። ብ1916 ድማ በቲ ኣብ ምዕራባዊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝገበሮ ናይ መጨረሽታ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ ደኺሙ: ናብ ኒው ዮርክ ክምለስ ከሎ ኣብ ጥቓ ፓምፓ: ቴክሳስ: ኣብ ባቡር ከሎ ሞተ። ኣብ ሰማይ መዝገብ ብምግባር ድማ ሓለፍ ዝበለ ኣርኣያ ገደፈ: ሕጂ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ርእሰ-መስዋእትነት ዘርእዩ ፓይነራት ኣገልገልቲ ነዚ ኣብነት እዚ ይስዕቡ ኣለዉ።—እብራውያን 13:7፣ ሉቃስ 12:33, 34፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 9:16፣ 11:1 ኣረኣእዮ።

መንፈሳዊ ኵሕሊ ምግባር

13. (ሀ) እቲ መንፈሳዊ ኵሕሊ ንዅነታት ሰብ ሎዲቅያ ብኸመይ የመሓይሾ፧ (ለ) የሱስ እንታይ ዓይነት ክዳውንቲ ንክኽደኑ ኢዩ ዝምሕጸን: ስለምንታይከ፧

13 የሱስ ንሰብ ሎዲቅያ “ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ: ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ . . . [ዓድግ]” ብምባል ኣትሪሩ ይምዕዶም። (ራእይ 3:18ለ) ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ፈወስቲ ዘይኰነስ ነቲ ካብ የሱስ ጥራይ ዝርከብ ዝፍውስ ኵሕሊ ብምዕዳግ ንመንፈሳዊ ዑረቶም ሕክምና ክደልዩሉ ይግብኦም። እዚ ድማ ነቲ ብሩህ ኣዒንቶም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ኣተኲሮም ‘ብመገዲ ጻድቃን’ ንኽመላለሱ ዘኽእሎም መንፈሳዊ ምስትውዓል ንኸጥርዩ ይሕግዞም። (ምሳሌ 4:18, 25-27) በዚ ኸምዚ ኸኣ: ነቲ ክቡር ዝዋግኡ ኣብ ሎዲቅያ ብጸሊም ጸምሪ ዝእለም ክዳውንቲ ዘይኰነስ: ከም ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ መጠን ነቲ መሰል ዝነበሮ መንነቶም ዝነግር “ጻዕዳ ኽዳውንቲ” ክኽደኑ ይኽእሉ ነበሩ።—ምስ 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10፣ 1 ጴጥሮስ 3:3-5 ኣረኣእዮ።

14. (ሀ) ካብ 1879 ኣትሒዙ እንታይ መንፈሳዊ ኵሕሊ ኢዩ ክርከብ ዝኸኣለ፧ (ለ) ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀንዲ ናይ ገንዘብ ደገፍ ዝገብረሎም መን ኢዩ ነይሩ፧ (ሐ) እተዋጽአ ገንዘብ ኣብ ምጥቃም ብዝመጸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቶም ካልኦት ዝፍለዩ ብኸመይ ኢዮም፧

14 ኣብዚ ዘመናዊ ግዜኸ መንፈሳዊ ኵሕሊ ኣሎዶ፧ ብርግጽ: ኣሎ! ብ1879: እቲ ብፍቕሪ ፓስተር ራስል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ: ንሓቂ ምእንቲ ክጣበቕ ኢሉ ነቲ ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝፍለጥ ግምቢ ዘብዐኛ መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ዝበሃል መጽሔት ሓቲሙ ከውጽእ ጀመረ። ኣብታ ካልኣይቲ ሕታም ድማ ከምዚ በለ:- “[እዚ መጽሔት እዚ] ናይ የሆዋ ደገፍ ኣለዎ ኢልና ኢና እንኣምን: እቲ ጉዳይ ከምኡ ክሳዕ ዝዀነ ኸኣ: ናይ ሰብ ረዲኤት ኣይልምንን ወይውን ኣይሓትትን ኢዩ። እቲ ‘ኣብ ኣኽራን ዘሎ ወርቅን ብሩርን ናተይ ኢዩ’ ዝበለ ዘድሊ ገንዘብ ምሃብ ጠጠው ምስ ኣበለ: ሽዑ ምሕታም ናይዛ መጽሔት እዚኣ ጠጠው ዝብለሉ ግዜ ምዃኑ ክንርዳእ ኢና።” ገሊኦም ናይ ተለቪዥን ወንጌላውያን ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ደሊቦም ከምኡውን ዘሕፍር (ሓድሓደ ግዜውን ዘይስነ-ምግባራዊ) ናይ ተድላ ናብራ ይነብሩ ኢዮም። (ራእይ 18:3) ምስ እዚ ብምንጽጻር እቶም ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዝጽውዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ እቲ ብዘይምልማን ዝረኸብዎ ወፈያታት: ነቲ ብዛዕባ እታ እትመጽእ መንግስቲ ናይ የሆዋ ዝግበር ዓለምለኸ ስብከት ንምምሕዳርን ንምስፋሕን ተጠቕሙሉ። ክሳዕ ሎሚ እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ነቶም ብ2006 ክልቲኦም ልዕሊ 59 ሚልዮን ቅዳሓት ዘለዎም ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ምሕታም የካይድ ኣሎ። ግምቢ ዘብዐኛ ብ150 ዝኸውን ቋንቋታት ንላዕሊ ይሕተም። እዚ: ናይቶም ንናይ ሓሶት ሃይማኖትን ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ንምብጻሕ ዘሎ ህጹጽነትን ንምርኣይ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ኵሕሊ ብምጥቃም ኣዒንቶም ዝኸፈቱ ናይ ሓንቲ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ክርስትያናት ዘለውዋ ጉባኤ ወግዓዊ መጽሔት ኢዩ።—ማርቆስ 13:10

ካብ መግናሕትን ተግሳጽን ምጥቃም

15. የሱስ ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ብርትዕ ዝበለ ምኽሪ ዝሃቦም ስለምንታይ ኢዩ: እታ ጉባኤኸ ብኸመይ ኢያ ክትምልሰሉ ዝነበራ፧

15 ናብ ሰብ ሎዲቅያ እሰከ ንመለስ። ነቲ ብርቱዕ ምኽሪ የሱስ ብኸመይ ኰን ይምልስሉ ይዀኑ፧ ክደሃሉ ከምኡውን የሱስ ሰዓብቱ ክዀኑ ከም ዘይደልዮም ኰይኑ ክስምዖም ይግባእዶ፧ ኣይፋሉን: ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን። እቲ መልእኽቲ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ” (ራእይ 3:19) ልክዕ ከምቲ ናይ የሆዋ ተግሳጽ: ናይ የሱስ ተግሳጽ እውን ምልክት ፍቕሩ ኢዩ። (እብራውያን 12:4-7) ጉባኤ ሎዲቅያ ካብቲ ናይ ምፍታው ሓልዮቱ ክትጥቀም ምኽሩ ኸኣ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ይግብኣ። ልቡጣት ምዃኖም ሓጢኣት ከም ዝዀነ ተረዲኦም ክናስሑ ነበሮም። (እብራውያን 3:12, 13፣ ያእቆብ 4:17) ሽማግለታቶም ነቲ ፍቕረ-ንዋያዊ ዝዀነ መገዶም ሓዲጎም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ውህበት ‘ከም ሓዊ ከናኽስዎ’ ነበሮም። ኵሎም እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ኸኣ ነቲ መንፈሳዊ ኵሕሊ እናገበሩ: ከምቲ ካብ ፈልፋሊ ዝሑል ማይ ሰቲኻ ዝርከብ ምሕዳስ ምረኸቡ ነይሮም።—2 ጢሞቴዎስ 1:6 NWምሳሌ 3:5-8፣ ሉቃስ 21:34

16. (ሀ) ናይ የሱስ ፍቕርን ምፍታውን ሎሚ ብኸመይ ይርአ ኣሎ፧ (ለ) ብርቱዕ ምኽሪ ምስ ዝወሃበና ብኸመይ ኢና ክንምልሰሉ ዝግብኣና፧

16 ብዛዕባናኸ ሎሚ እንታይ ኢዩ ዝብሃሎ፧ የሱስ ‘ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ናቱ ምፍቃር’ ቀጺሉ ኢዩ። ነዚ ኸኣ “ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኵሉ መዓልቲ” ክገብሮ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:1: ማቴዎስ 28:20 NW) ፍቕሩን ምፍታዉን ከኣ በቲ ዘመናዊ ክፍሊ ዮሃንስን በቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ከዋኽብቲ ወይ ከኣ ሽማግለታት ኣቢሉ ኢዩ ዝርአ ዘሎ። (ራእይ 1:20) ኣብዚ ኣዝዩ ፈታኒ እዋን ሽማግለታት: ንዅላትና ዓበይትን ንኣሽቱን ነቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ናይ ሓርነት መንፈስ: ፍቕረ-ንዋያዊ ስስዐ: ከምኡውን ዘይስነ-ምግባራዊ ጽያፍ ናይዛ ዓለም እናተቓወምና ካብቲ ጫፋት ናይ ቲኦክራሲያዊ ደምበ ከይንወጽእ ንኽሕግዙና ኣዝዮም ግዱሳት ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ ብርቱዕ ምኽሪ ወይ ተግሳጽ ምስ እንቕበል ‘ተግሳጽ ትምህርቲ መገዲ ህይወት’ ከም ዝዀነ ክንዝንግዕ የብልናን። (ምሳሌ 6:23) ኵልና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: መገድና ኣዐሪና ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ክንነብር ከከም ኣድላይነቱ ንኽንናሳሕ እንቐንእ ክንከውን ይግብኣና።—2 ቈረንቶስ 13:11

17. ሃብቲ ንመንፈሳዊ ኵነታትና ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

17 ፍቕረ-ንዋይ: ሃብቲ: ወይ ከኣ ስእነት ልቡጣት ክገብረና ከነፍቅደሉ ኣይግባእን። ሃብቲ ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣሚታት ንምኽፋት ዝሕግዝ እኳ እንተዀነ: ሓደገኛ ክኸውን ከኣ ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 19:24) ሓደ ርኹብ ሰብ: በብግዜኡ ብርክት ዝበለ ወፈያ ስለ ዝገብር ኣብቲ ዕዮ ሰብከት ከምቲ ናይቶም ካልኦት ቅንኢ ዘየድልዮ ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን። ወይ ድማ ሃብታም ምዃኑስ ሓለፋታት ዘውህቦ ይመስሎ ይኸውን። ብተወሳኺ ሓደ ሃብታም ሰብ ካልኦት ክገብርዎ ዓቕሞም ዘየፍቅደሎም ብዙሕ ባህ ዘብል ነገራትን መሕለፍ ግዜን ኣለዎ። እዞም መዘናግዒታት እዚኣቶም ግን ግዜ ይወስዱ እሞ: ነቲ ዝንጉዕ ካብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ከርሕቕዎ ይኽእሉ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ዘየስተውዕል ሰብ ልቡጥ ይገብሮ። ንዅሉ እዚ ኸምዚ ዝበለ መፈንጠራታት እነርሕቕን ናይ ዘለኣለም ህይወት እናተቛመትና ኸኣ ብምሉእ ልብና “እንዐይን እንጽዕርን” ይግበረና።—1 ጢሞቴዎስ 4:8-10፣ 6:9-12

‘ምድራር’

18. የሱስ ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ቅድሚኦም እንታይ ኣጋጣሚ ኣንበረሎም፧

18 ቀጺሉ የሱስ ከምዚ ይብል:- “እንሆ: ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ: ናብኡ ኽአቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ: ንሱውን ምሳይ።” (ራእይ 3:20) ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ንየሱስ ናብ ጉባኤኦም እንተ ተቐቢሎምዎ ጥራይ: ነቲ ልቡጣት ምዃኖም ንኽዋጽእሉ ክሕግዞም ኢዩ!—ማቴዎስ 18:20

19. የሱስ ምስ ጉባኤ ሎዲቅያ ክድረር ምዃኑ ክመባጽዓሎም ከሎስ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

19 የሱስ ብዛዕባ ድራር ምጥቃሱ: ንሰብ ሎዲቅያ ብዛዕባ እቲ ምስ ሃዋርያቱ ዝምገቦ ዝነበረ እዋን ከም ዘዘኻኸሮም ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዮሃንስ 12:1-8) ኸምዚ ዝበለ እዋናት ነቶም ኣብኡ ዝካፈሉ ዝነበሩ ኵሉ ግዜ መንፈሳዊ በረኸታት የምጽኣሎም ነበረ። ብተመሳሳሊ የሱስ ድሕሪ ምትንስኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ መኣዲ እተቐረበሉ ፍሉጥ እዋናት ነይሩ ኢዩ: እዚ እዋናት እዚ ኸኣ ብዙሕ ኣበራትዖም። (ሉቃስ 24:28-32፣ ዮሃንስ 21:9-19) ስለዚ ድማ ኣብ ጉባኤ ሎዲቅያ መጺኡ ምስኦም ክድረር ምባሉ: እንተ ተቐቢሎምዎ ጥራይ ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸታት ከምጽኣሎም ከም ዝዀነ ኢዩ እተመባጽዐ።

20. (ሀ) ኣብ ምጅማር መዓልቲ ጐይታ ናይ ህዝበ-ክስትያን ልቡጣት ምዃን እንታይ ኣስዓበ፧ (ለ) ፍርዲ የሱስ ንህዝበ-ክርስትያን ብኸመይ ተንከፎም፧

20 እቲ የሱስ ንሰብ ሎዲቅያ ሂቡዎም ዝነበረ ለበዋ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ቅቡኣት ተረፍ ዓቢ ትርጕም ኣለዎ። ገለ ኻብዚኣቶም መዓልቲ ጐይታ ክትጅምር ከላ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታውያን ኣዝዮም ልቡጣት ከም ዝነበሩ ይዝክሩ። ብ1914 ናይ ጐይታና እንደገና ምምጻእ ኣብ ክንዲ ዝቕበሉ: እቶም ኣቕሽሽታ ኣብቲ ካብተን ዝዋግኣ ዝነበራ 28 ሃገራት እተን 24 ክርስትያን ኢና ዝብላ ሃገራት ዝነበርኦ ማሕረዲ ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተኣልኩ። ኣየ እቲ ናይ ደም ገበኖምሲ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዓቢ ኢዩ! ኣብቲ መብዛሕትአን ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃገራት እተዋግኣሉ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ሓጢኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንደገና ‘ክሳዕ ሰማይ ተጸፍጸፈ።’ (ራእይ 18:5) ብዘይዚ: ኣቕሽሽቲ ነተን ዋላ ሓንቲ ካብኣተን ንደቂ ሰብ ጸገማቶም ክፈትሓሎም ዘይከኣላ እትኣሳሰራ መንግስታት: ሕቡራት ሃገራት: ከምኡውን ሃገራውን ሰውራውን ምንቅስቓሳት ብምድጋፍ ነታ እትመጽእ መንግስቲ የሆዋ ዝባኖም ሂቦም ኢዮም። ከምቲ ገፋፍ ዓሳ ነቲ ኣብ መርበቡ እተታሕዘ ዘይጠቅም ዓሳ ዝድርብዮ: የሱስ ከኣ ኣሉታዊ ፍርዲ ብምሃብን ካብኡ ኣርሒቑ ብምድርባይን ነቕሽሽቲ ነዊሕ ግዜ ይገብር ነጺግዎም ኢዩ። ሎሚ ዝርአ ዘሎ ዘሕዝን ሃለዋት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ ክርስትያናት: እዚ ፍርዲ እዚ ከም ዝወረደን ዝምስክር ኢዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝወርዳ መዓት ንዓና ንመጠንቀቕታ ይግበሮ!—ማቴዎስ 13:47-50

21. ካብ 1919 ኣትሒዞም እቶም ኣብታ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ነተን የሱስ ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝበሎም ቃላት ብኸመይ ተቐበልዎ፧

21 ኣብታ ናይ ሓቂ ጉባኤውን እንተዀነ: ዘንቅሕ ውዑይ ወይ ከኣ ዘጥልል ዝሑል ዘይኰኑ ልቡጣት ሰባት ኣለዉ። ገና ግን የሱስ ነታ ጉባኤኡ ምዉቕ ፍቕሪ ኣለዎ። ነቶም ዝቕበልዎ ክርስትያናት ይርከበሎም ኢዩ: ብዙሓት ከኣ ንድራር ከም ዝዓደምዎ ተቐቢሎሞ ኢዮም። ናይዚ ውጽኢት ከኣ ካብ 1919 ኣትሒዞም ኣዒንቶም ንትርጕም ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ክርድእኦ ተኸፍታ። ናይ ዓቢ ምንቕቓሕ እዋን እውን ኣስተማቐሩ።—መዝሙር 97:11፣ 2 ጴጥሮስ 1:19

22. የሱስ እንታይ ኣብ መጻኢ ዝኸውን ድራር ኢዩ ኣብ ሓሳቡ ዝነበረ: ኣብኡ ዝካፈሉኸ መን ኢዮም፧

22 የሱስ ንሰብ ሎዲቅያ ክዛረቦም ከሎ ብዛዕባ ኻልእ ድራር እውን ይሓስብ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጽንሕ ኢልና ኣብ ራእይ “እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዐደሙ ብጹኣን እዮም” ዝብል ነንብብ። እዚ ኸኣ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ፍርዲ ድሕሪ ምፍጻሙ ንውዳሴኡ ዝግበር ናይ ዓወት መኣዲ ኢዩ: ኣብዚ ኣብ ሰማይ ዝግበር መኣዲ እዚ ድማ ክርስቶስን እታ ብ144,000 ቅቡኣት ዝቘመት መርዓቱን ክካፈሉ ኢዮም። (ራእይ 19:1-9) እቶም ምላሽ ዝሃቡ ኣባላት ናይታ ጥንታዊት ጉባኤ ሎዲቅያን—እወ: እዞም ሎሚ ዘለዉ ከም ናይ ሓቂ ቅቡኣት ክርስትያናት መጠን መለለዪ ጽሩይ ክዳውንቲ ዝኽደኑ እሙናት ኣሕዋት ክርስቶስን—ኵሎም ምስ መርዓዊኦም ኣብቲ ድራር ክሕጐሱ ኢዮም። (ማቴዎስ 22:2-13) እዝስ ቅንኢ ከተርእን ክትንሳሕን ኣየ ከመይ ዝበለ ሓያል መተባብዒ ኰን ኢዩ!

ነቶም ዝስዕሩ ዝወሃብ ዝፋን

23, 24. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ እንታይ ተወሳኺ ዓስቢ ኢዩ ዝዛረብ፧ (ለ) የሱስ ኣብቲ መሲሓዊ ዝፋኑ እተቐመጠ መዓስ ኢዩ: ፍርዲ ናይቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲኸ መዓስ ጀመረ፧ (ሐ) የሱስ ዝኽሪ ሞቱ ክሰርዕ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ድንቂ ዝዀነ ተስፋ ኢዩ ዝሃቦም፧

23 የሱስ ብዛዕባ ኻልእ ዓስቢ ጠቒሱ ድማ ከምዚ ይብል:- “ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ: ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ።” (ራእይ 3:21) እቲ ንጽህንኡ ዝሓለወ የሱስ ንዓለም ስዒሩ: ንመፈጸምታ ናይቲ ዳዊት ኣብ መዝሙር 110:1, 2 እተዛረቦ ቃላት: ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ተንስአ: ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ምስ ኣቦኡ ንኽቕመጥ ከኣ ልዕል በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:32, 33) ኣብ ካልእ ወሳኒ ዓመት: 1914: ከም ንጉስን ፈራድን ኰይኑ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ መሲሓዊ ዝፋን ክቕመጥ መጸ። እቲ ፍርዲ ድማ ብ1918 በቶም ክርስትያን ኢና በሃልቲ ጀሚሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ዝሞቱ ቅቡኣት ሰዓርቲ ኸኣ ሽዑ ተንሲኦም ንየሱስ ኣብ መንግስቱ ክሓብርዎ ነበሮም። (1 ጴጥሮስ 4:17) ነዚ በቲ ዝኽሪ ሞቱ ዝሰርዓሉ ግዜ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን: ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ: ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” ብምባል ተመባጽዓሎም።—ሉቃስ 22:28-30

24 ብግዜ ናይቲ “ሓድሽ ፍጥረት” ምስቲ ዝገዝእ ንጉስ ተቐሚጥካ ምስኡውን ሓቢርካ በቲ ፍጹም ዝዀነ መስዋእቱ ገይርካ ነቶም እዙዛት ደቂሰብ ከምቲ ኣብ ኤደን ዝነበረ ፍጽምና ኸተብጽሖምሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ መዝነት ኢዩ! (ማቴዎስ 19:28፣ 20:28) ከምቲ ዮሃንስ ሓቢሩና ዘሎ ኸአ የሱስ ነቶም ዝስዕሩ ኣብ ዙርያ እቲ ግሩም ሰማያዊ ዝፋን የሆዋ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጦም “ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ [“ንኣምላኹን ኣቦኡን” NW] መንግስትን ካህናትን” ከም ዝዀኑ ይገብሮም። (ራእይ 1:6፣ 4:4) እምበኣርከስ ኵላትና—ካብቶም ቅቡኣት ንዅን ወይስ ካብቶም ንምድሪ ናብ ገነት ንምልዋጥ ተስፋ ዘሎና ናይታ ሓዳስ ምድሪ ሕብረተሰብ—ነቲ የሱስ ንሰብ ሎዲቅያ ዝበሎም ቃላት ነስተውዕለሉ!—2 ጴጥሮስ 3:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:19-21

25. (ሀ) ከምቲ ኣብተን ኣቐዲመን ዝነበራ መልእኽትታቱ ዝገበሮ: የሱስ ነታ ንሎዲቅያ ዝለኣኻ መልእኽቱ ብኸመይ ዛዘማ፧ (ለ) እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ነተን የሱስ ንጉባኤ ሎዲቅያ እተዛረቦም ቃላት ብኸመይ ይምልሹለን፧

25 የሱስ: ልክዕ ከምቲ ነተን ቀዳሞት መልእኽትታት: ነዛ መልእኽቲ እዚኣውን ብናይ ማዕዳ ቃላት ገይሩ ኢዩ ዝድምድማ:- “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።” (ራእይ 3:22) ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ኣጸቢቑ ዝኣተወሉ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ብፍቕሪ ዝመጸ ህዝበ-ክርስትያን ዝሒላ ከም ዘላ ኸኣ እቲ ኣብ ዙርያና ንርእዮ ዘሎና መርትዖታት ይምስክሮ ኢዩ። ኣንጻር ናይዚ: ንሕና ከም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መጠን ነቲ የሱስ ናብ ጉባኤ ሎዲቅያ ዝሰደዶ መልእኽቲ: አረ ናብተን ጉባኤታት ዝሰደዶ ሸውዓቲኡ ናይ ጐይታና መልእኽቲ ብምዉቕ ስምዒት ንመልሰሉ። እዚ ድማ: ኣብ መፈጸምታ ናይቲ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ዝብል ነዚ ግዜና ዝምልከት ናይ የሱስ ዓቢ ትንቢት: ህርኩታት ኴንና ብምክፋልና ኢዩ ዝግበር።—ማቴዎስ 24:12-14

26. የሱስ ንዮሃንስ እንደገና ብቐጥታ እተዛረቦ መዓስ ኢዩ: ግናኸ ኣብ እንታይ ኢዩ እተኻፈለ፧

26 እቲ የሱስ ነተን ሸውዓተ ጉባኤታት ዝሃበን ምኽሪ ይውዳእ። ድሕርዚ ኸኣ የሱስ: ኣብ መጽሓፍ ራእይ ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እንደገና ንዮሃንስ ኣይተዛረቦን፣ እንተዀነ ግን: ኣብ ሓያለይ ናይቲ ትርኢታት ግደ ነይርዎ ኢዩ: ንኣብነት ፍርድታት የሆዋ ኣብ ምፍጻም ይካፈል። ሃየ እምበኣር: ነቲ ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እተገልጸ ካልኣይ ኣገዳሲ ራእይ ንምምርማር ምስቶም ክፍሊ ዮሃንስ ንሕበር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ ቦታታት እዚ: ኣብ ከባቢ ሎዲቅያ ብኹዕታ ስነ-ጥንቲ ተፋሒሩ ወጺኡ ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 73 ዘሎ ሳጹን]

ንፍቕረ-ንዋይ ምስ ጥበብ ምንጽጻር

ብ1956 ሓደ ጸሓፍ ዓምዲ ጋዜጣ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓደ ክፍለ-ዘበን ይገብር፣ ሓደ ማእከላይ ናብራ ዘለዎ ሰብ 72 ባህግታት ነበሮ: 16 ካብዚ ኸኣ ከም ኣድለይቲ ነገራት ዝቝጸር ኢዩ። ሎሚ እቲ ማእከላይ ናብራ ዘለዎ ሰብ 474 ባህግታት ኣለዎ: 94 ካብዚ ኸኣ ከም ቀንዲ ኣድለይቲ ዝቝጸር ኢዩ። ሓደ ክፍለ-ዘበን ይገብር ነጋዶ ነቲ ማእከላይ ናብራ ዘለዎ ሰብ: 200 ዓይነት ኣቑሑ ከም ዝዕድግ ይገብርዎ ነበሩ: ሎሚ ግን 32,000 ዓይነት ኣቑሑት ኢኻ ኸይትዕድግ ክትቃወም ዘሎካ። እቲ ናይ ሰብ ኣድለይቲ ነገራት ሒደት ኢዩ: ባህግታቱ ግን መወዳእታ የብሉን።” ሎሚ ሰባት: ንዋታዊ ሃብትን ጥሪትን ንህይወት ቀንዲ ኣድላዪ ነገር ኢዩ ብዝብል ሓሳባት ተደብዲቦም ኣለዉ። ስለዚ ኸኣ ሓያለይ ሰባት ነቲ “ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ: ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ” ዝብል ኣብ መክብብ 7:12 ዘሎ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ ሸለል ኢሎሞ ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 67 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ናብ ሎዲቅያ ዝመጽእ ማይ ዘይጥዑም ልቡጥ ነበረ። እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘየዕግብ ልቡጥ መንፈስ ነበሮም