ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብናይ ባቢሎን ጥፍኣት ምሕዛንን ምሕጓስን

ብናይ ባቢሎን ጥፍኣት ምሕዛንን ምሕጓስን

ምዕራፍ 37

ብናይ ባቢሎን ጥፍኣት ምሕዛንን ምሕጓስን

1. “ነገስታት ምድሪ” ነቲ ሃንደበታዊ ጥፍኣት ናይ ዓባይ ባቢሎን ብኸመይ ክምልስሉ ኢዮም፧

 ጥፍኣት ባቢሎን ንህዝቢ ኣምላኽ ብስራት ኢዩ: ሃገራት ግን ብኸመይ ይርእይኦ፧ ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሐንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸኣ: ትኪ ምንዳዳ ርእዮም: ኪበኽዩላን ኬልቅሱላን እዮም። ብሰሪ ፍርሃት ስቓያ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም: ኣቲ ዓባይ ከተማ: ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን: ወይለኺ: ወይለኺ: ፍርዲ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡኪ አሎ: ኪብሉ እዮም።”—ራእይ 18:9, 10

2. (ሀ) ንዓባይ ባቢሎን ዘጥፍኣ እቲ ምሳልያዊ ዓሰርተ ቐርኒ ናይቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ክነሱ: “ነገስታት ምድሪ” ብምጥፍኣ ዝሓዝኑ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) እቶም ዝሓዘኑ ነገስታት ኣብ ማዕዶ እታ ዝጠፍአት ከተማ ደው ዝብሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

2 ዓባይ ባቢሎን በቶም ምሳልያውያን ዓሰርተ ቐርኒ ናይቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ጠፊኣ ክንሳ: እተን ሃገራት ከምዚ ዝበለ መልሲ ከርእያ ዘገርም ክመስል ይኽእል ኢዩ። (ራእይ 17:16) ባቢሎን ምስ ጠፍአት ግን “ነገስታት ምድሪ” ነቲ ህዝቢ ኣህዲኣ ከም ዝግዛእ ብምግባር ክሳዕ ክንደይ ጠቒማቶም ከም ዝነበረት ክግንዘቡ ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። ኣቕሽሽቲ ውግእ ቅዱስ ኢዩ ኢሎም ኣዊጆም: ኣብ ምኽታብ ወተሃደራት ልኡኻት ኰይኖም: ከምኡውን መንእሰይ ኣብ ኲናት ክኣቱ ሰቢኾም ኢዮም። ሃይማኖት ናይ ቅድስና ሽፋን ሂቡ ኢዩ: ብልሽዋት ገዛእቲ ነቲ ተራ ህዝቢ ንምግፋዕ ብድሕሪ እዚ ሽፋን እዚ ተሓቢኦም ዓዮም ኢዮም። (ምስ ኤርምያስ 5:30, 31፣ ማቴዎስ 23:27, 28 ኣረኣእዮ።) ይኹን እምበር: እዞም ብጓሂ እተዋሕጡ ነገስታት ሕጂ ካብዛ ዝጠፍአት ከተማ ርሒቖም ደው ኢሎም ከም ዘለዉ ተዓዘብ። ንኽረድእዋ ኢሎም ኣይቀርቡን ኢዮም። ብምጥፋኣ ጕህዮም ኢዮም: ምእንትኣ ክብሉ ኣብ ሓደጋ ክሳዕ ምእታው ግን ኣይጐሃዩን።

ነጋዶ ይበኽዩን የልቅሱን

3. ብምጥፋእ ናይ ባቢሎን ዝጕሂ ካልእ መን ኢዩ: ዮሃንስከ ነዚ እንታይ ምኽንያታት ይህበሉ፧

3 ብጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ዝሓዝኑ እቶም ነገስታት ምድሪ ጥራይ ኣይኰኑን። “እቶም ነጋዶ ምድሪ ኸኣ: ደጊም ኣቓሑኦም ዚዕድገሎም የልቦን እሞ: ይበኽዩላን የልቅሱላን። ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ሃርን ቀዪሕ ግምጃን ቅዱይ መኣዛ ዘለዎ ዘበለ ዕጨይትን ኣቕሓ ስኒ ሓርማዝ ዘበለን ናይ ክቡር ዕጨይቲ ዘበለ ኣቕሓን ናይ ኣስራዝን ናይ ሓጺንን ናይ እምነ በረድን: ቃርፋን ቅብኢ ኣሞሙንን ዕጣንን ቅዱይ ቅብእን ከርበን ወይንን ዘይትን ድኹም ሓርጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ባሮትን ነፍሳት ሰብን። እቲ ነፍስኺ ዝበሀገቶ ፍረ ኻባኺ [ዓባይ ባቢሎን] ሐሊፉ: ጥዑምን ድሙቕን ዘበለ ኻባኺ ጠፊኡ: ድሕሪ ደጊም ከኣ እዚ ከቶ ኣይኪርከብን እዩ።”—ራእይ 18:11-14

4. “ነጋዶ” ብምጥፋእ ናይ ዓባይ ባቢሎን ዝሓዝኑን ዘልቅሱን ስለምንታይ ኢዮም፧

4 እወ: ዓባይ ባቢሎን ናይቶም ሃብታማት ነጋዶ ናይ ማሕርሮ ዓርክን ዓሚልን ኢያ ነይራ። ንኣብነት: ናይ ህዝበ-ክርስትያን ገዳማትን እንዳ ፈለስትን ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክቡር ኣእማንን ክቡር ዕንጨይትን ካልእ ዓይነት ንዋታዊ ሃብትን ደሊበን ኢየን። ብተወሳኺ: እቲ ምስቲ ንክርስቶስ ዘሕስር በዓል ልደትን ካልእ ቅዱስ መዓልታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ በዓላትን ተተሓሒዙ ዝመጽእ ሕሉፍ ናይ ምዕዳግን ስኽራንን ፈንጠዝያ: ብሃይማኖት ተባሪኹ ኢዩ። ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሚስዮናውያን ኣብ ርሑቕ ቦታታት ብምእታው ‘ንነጋዶ’ ምድሪ ሓድሽ ዕዳጋታት ከፊቶምሎም ኢዮም። ኣብታ ናይ መበል 17 ክፍለ-ዘበን ጃፓን እቲ ምስ ነጋዶ ዝመጸ ሃይማኖት ካቶሊክ ኣብቲ ናይ ፊውዳል ውግእ እውን ከይትረፈ ኢዱ ኣእተወ። ዘ ኢንሳይክሎፐዲያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ቀጽሪ ግምቢ ኦሳካ እተገብረ ወሳኒ ውግእ ኣመልኪቱ ጸብጻብ ከቕርብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “እቶም ሰራዊት ቶኩጋዋ ምስቲ ኣርምኡ ብመስቀልን ብናይቲ መድሓኒ ስእልታትን ብናይ ቅዱስ ያእቆብ: እቲ ናይ ስጳኛ መማለዲ ቅዱስን: እተሰለመ ጸላኢ ይዋግኡ ከም ዝነበሩ ፈለጡ።” እቲ እተዓወተ ክፍሊ: ሃይማኖት ካቶሊክ ከም ዝስጐግን ካብቲ መሬት እቲ ድማ ፈጺሙ ከም ዝጽረግን ገበረ። ሎሚውን ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት ኢዳ ምእታዋ ፈጺሙ በረኸት ኣየምጽኣላን ኢዩ።

5. (ሀ) እቲ ካብ ሰማይ እተሰምዐ ድምጺ ንሓዘን ናይቶም “ነጋዶ” ብኸመይ ይገልጾ፧ (ለ) እቶም ነጋዶውን ‘ኣብ ርሑቕ ዝቘሙ’ ስለምንታይ ኢዮም፧

5 እቲ ካብ ሰማይ ዝመጽእ ድምጺ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እቶም በዚ እንዚ እናነገዱ ኣብኣ ዝሀብተሙ ነጋዶ ብፍርሃት ስቓያ ኣብ ማዕዶኣ ደው ኢሎም፤ ክንድዚ ዚአክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ እሞ: እዛ ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ቀዪሕ ግምጃን እተኸድነት: ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን እተለበጠት ዓባይ ከተማ ወይለኣ: ወይለኣ: ኢሎም እናበኸዩ የልቅሱላ።” (ራእይ 18:15-17ሀ) ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአት ዓበይቲ “ነጋዶ” ምድሪ ናይ ንግዲ መሻርኽቶም ብምጥፍኣ የልቅሱ። ብሓቂ ንዕኦም ‘ወዮ: ወዮ’ ኢዩ። እቲ መሕዘኒኦም ምኽንያት ግን ስስዐ ብምዃኑ: ከምቶም ነገስታት ምድሪ “ኣብ ማዕዶኣ” ደው ከም ዝብሉ ኣስተብህለሉ። ንሳቶምውን ንዓባይ ባቢሎን ንምሕጋዝ ኣይቀርቡን ኢዮም።

6. እቲ ካብ ሰማይ እተሰምዐ ድምጺ ንሓዘን ናይቶም ሓላቑ መራኽብን ባሕረኛታትን ብኸመይ ይገልጾ: ዘልቅሱኸ ስለምንታይ ኢዮም፧

6 እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ኵሎም ሓላቑ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ስፍራኦም ዚኸዱ ዘበሉ ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዚዐዩ ዘበሉ ዅሎምን ድማ ኣብ ርሑቕ ቈሙ። ነቲ ትኪ ምንዳዳ ምስ ረአይዎ ድማ፤ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣስ መን ኢዩ ዚመስላ፧ እናበሉ ጨርሑ። ኣብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ: እናበኸዩን እናሐዘኑን ከኣ፤ እቶም መራኽብ ኣብ ባሕሪ ዘለዋኦም ኵሎም ብኽቡር ኣቓሑኣ ዝሀብተሙ: ብሓንቲ ሰዓት ዖንያ እያ እሞ: እዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ: ወይለኣ: እናበሉ ጨርሑ።” (ራእይ 18:17ለ-19) ጥንታዊት ባቢሎን ናይ ንግዲ ከተማ ኢያ ነይራ: ብዙሓት መራኽብ ድማ ነበራኣ። ብተመሳሳሊ: ዓባይ ባቢሎን በቲ “ብዙሕ ማያት” ናይ ህዝባ ብዙሕ ንግዲ ተካይድ ኢያ። እዚ ድማ ንብዙሓት ሃይማኖታውያን ተገዛእታ ስራሕ ይፈጥረሎም። ምጥፋእ ናይ ዓባይ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ እዚኣቶም ኣየ ከመይ ዝበለ ቍጠባዊ መዝበጥቲ ኰን ከስዕብ ኢዩ! ድሕሪ ደጊም ከምኣ ዝኣመሰለ ናይ መነባብሮ ምንጪ ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ።

ብምጥፍኣ ምሕጓስ

7, 8. እቲ ካብ ሰማይ እተሰምዐ ድምጺ ነቲ ንዓባይ ባቢሎን ዝምልከት መልእኽቱ ብኸመይ ይድምድሞ: ነዚ ቓላት እዚኸ መን ኢዩ ምላሽ ዝህበሉ፧

7 ጥንታዊት ባቢሎን ብሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ካብ ስልጣን ምስ ተገልበጠት ኤርምያስ ብትንቢት ከምዚ በለ:- “ሰማይን ምድርን ኣብኦም ዘሎ ዅሉን ብዛዕባ ባቢሎን እልል ኪብሉ እዮም።” (ኤርምያስ 51:48) ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአት እቲ ካብ ሰማይ ዝስማዕ ድምጺ: “ኣታ ሰማይ ብእኣ ተሐጐስ። ኣቱም ቅዱሳትን ሃዋርያትን ነብያትን: ኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ: ብእኣ ተሐጐሱ” ብምባል መልእኽቱ ክፍጽም ኢዩ። (ራእይ 18:20) የሆዋን መላእኽቱን እዛ ጥንታዊት ጸላኢት ኣምላኽ ብምጥፍኣ ክሕጐሱ ኢዮም: እቶም ሕጂ ተንሲኦም ኣብቲ ናይ 24 ሽማግለታት ቦትኦም ተቐሚጦም ዘለዉ ሃዋርያትን ቀዳሞት ክርስትያን ነብያትን እውን ክሕጐሱ ኢዮም።—ምስ መዝሙር 97:8-12 ኣረኣእዮ።

8 ብርግጽ ኵሎም እቶም ኣብ ሰማይ ተንሲኦም ዘለዉ ይኹኑ ወይ ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ‘ቅዱሳት’ ብሓጐስ እልል ክብሉ ኢዮም: እቶም ብጾቶም ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ እውን ክሕጐሱ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ: እቶም ናይ ጥንቲ እሙናት ሰባት ኣብቲ ሓድሽ ኣገባብ ክትንስኡ ኢዮም: ንሳቶምውን ኣብቲ ሓጐስ ክጽንበሩ ኢዮም። ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሰጐግቶም ሕነ ኪፈድዩ ኣይፈተኑን። ነቲ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ: ኣነ ኽፈድዩ እየ: ይብል እግዚኣብሄር” ዝብል ቃላት የሆዋ ይዝክርዎ ኢዮም። (ሮሜ 12:19፣ ዘዳግም 32:35, 41-43) ሕጂ የሆዋ ሕነ ፈደየ። ሕነ ናይቲ ዓባይ ባቢሎን ዘፍሰሰቶ ኵሉ ደም ክፍደ ኢዩ።

ዓቢ መጥሓን እምኒ ምድርባይ

9, 10. (ሀ) እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ሕጂ እንታይ ኢዩ ዝገብርን ዝብልን፧ (ለ) ምስቲ እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ኣብ ራእይ 18:21 ዝገበሮ ተግባር ዝመሳሰል ኣብ ግዜ ኤርምያስ እንታይ ተፈጸመ: እንታይ ውሕስነትከ ኢዩ ዝሃበ፧ (ሐ) በቲ ዮሃንስ ዝረኣዩ ብርቱዕ መልኣኽ ዝውሰድ ስጕምቲ እንታይ ውሕስነት ኢዩ ዝህብ፧

9 እቲ ዮሃንስ ቀጺሉ ዝረኣዮ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ዘውርዶ ፍርዲ ናይ መወዳእታ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ: ከምዚ ይብል:- “ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዚኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ: ከምዚ እናበለ: ባቢሎን: እታ ዓባይ ከተማ: ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ: ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ።” (ራእይ 18:21) ኣብ ግዜ ኤርምያስ ሓደ ሓያል ትንቢታዊ ትርጕም ዝሓዘ ተመሳሳሊ ተግባር ተፈጺሙ ነይሩ ኢዩ። ኤርምያስ “ንዅሉ እቲ ኣብ ባቢሎን ዚወርድ መዓት” ኣብ መጽሓፍ ክጽሕፎ ብመንፈስ ተደሪኹ ነበረ። እታ መጽሓፍ ንሰራያ ሂቡ ናብ ባቢሎን ክጓዓዝ ነገሮ። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ናይ ኤርምያስ መምርሒ ብምስዓብ ሰራያ ኣንጻር እታ ከተማ ኸምዚ ዝብል ኣዋጅ ኣንበበ:- “ዎ እግዚኣብሄር፤ ንስኻ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣ: ሰብ ወይስ እንስሳ: ሓደ እኳ ኸም ዘይነብረላ ጌርካ ኸም እተጥፍኣ: ንሓዋሩውን ምድረ በዳ ኸም እትኸውን ኢልካ ተዛሪብካ።” ብድሕርዚ ሰራያ ነታ መጽሓፍ እምኒ ኣሰረላ እሞ ናብቲ ርባ ኤፍራጥስ ከምዚ እናበለ ደርበያ:- “ከምዚ ዀይና ባቢሎን በቲ ኣነ ዘውርደላ መዓት ክትሰጥም: መሊሳውን ኣይክትትንስእን እያ።”—ኤርምያስ 51:59-64

10 ነታ መጽሓፍ ምስቲ ምስኣ እተኣስረ እምኒ ናብ ርባ ምጥሓላ: ባቢሎን ድሕሪ ደጊም ፈጺማ ዘይትምለስ ኰይና ከም እትርሳዕ ውሕስነት ዝህብ ኢዩ ነይሩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ተመሳሳሊ ተግባር ክገብር ምርኣዩ: ዕላማ የሆዋ ብዛዕባ ዓባይ ባቢሎን ክፍጸም ምዃኑ ዓቢ ውሕስነት ኢዩ። እቲ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ዝዓነወ ኵነታት ናይ ጥንታዊት ባቢሎን ነቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክወርድ ዘለዎ ኵነታት ኣበርቲዑ ዝምስክር ኢዩ።

11, 12. (ሀ) ሕጂ እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ንዓባይ ባቢሎን ብኸመይ ይዛረባ፧ (ለ) ኤርምያስ ብዛዕባ እታ ከሓዲት የሩሳሌም ብኸመይ ይንበ: ንግዜናኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧

11 ሕጂ: እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ንዓባይ ባቢሎን ብኸምዚ ዝስዕብ ቃላት ይዛረባ:- “ድምጺ ቓነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን: ኵሉ ጥበበኛን ኢደ ጥበብን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪርከብን: ድሕሪ ደጊምሲ ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም: ኵሎም ኣህዛብ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም እሞ: ደጊም ኣባኺ ብርሃን ቀንዴል ከቶ ኣይኪበርህን እዩ: ድሕሪ ደጊምሲ ኣባኺ ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ።”—ራእይ 18:22, 23

12 ተመሳሳሊ ብዝዀነ ኣገላልጻ: ኤርምያስ ብዛዕባ እታ ከሓዲት የሩሳሌም ብትንቢት ከምዚ ኢሉ ተዛረበ:- “ካባታቶም ድማ ድምጺ ሓጐስን ድምጺ እልልታን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ሐጐጕ ምባል መጥሓንን ብርሃን ቀንዴልን ከጥፍእ እየ። ኵላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ክትባድምን ክትዖኑን እያ።” (ኤርምያስ 25:10, 11) ህዝበ-ክርስትያን ከም ቀንዲ ክፍሊ ናይ ዓባይ ባቢሎን መጠን በቲ ብድሕሪ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ዝባደመ ኵነታት ናይ የሩሳሌም ብንጹር ተገሊጹ ከም ዘሎ ህይወት ዘይብላ ዑና ክትከውን ኢያ። እታ ሓደ ግዜ ብሓጐስ ባህ ዝብላ ዝነበረ: ብመዓልታዊ ድምጺ ኸኣ ሸበድበድ ትብል ዝነበረት ህዝበ-ክርስትያን ሕጂ ንርእሳ ክትስዓርን ክትጥንጠንን ኢያ።

13. ንዓባይ ባቢሎን እንታይ ሃንደበታዊ ለውጢ ኢዩ ዘጋጥማ: ኣብቶም ‘ነጋዶኣኸ’ ሳዕቤኑ እንታይ ኢዩ፧

13 ብርግጽ ከምቲ እቲ መልኣኽ ንዮሃንስ ዝነገሮ ዓባይ ባቢሎን ብምልእታ ካብ ሓንቲ ሓያልን ኣህጉራዊትን ሃጸይ ናብ ንቑጽን ምድረ በዳን ክትልውጥ ኢያ። ‘ነጋዶኣ:’ እቶም ክብ ዝበለ ደረጃ ዘለዎም ሚልዮነራት ከይተረፉ: ሃይማኖታ ንብሕታዊ ረብሕኦም ወይ ንመሸፈኒ ተጠቒሞምሉ ኢዮም: እቶም ኣቕሽሽቲ ኸኣ ነቲ ምርኡይ ምዃን ምስኦም ክማቐልዎ መኽሰብ ኰይኑ ረኺቦሞ ኢዮም። ድሕሪ ደጊም ግን: ዓባይ ባቢሎን ነዞም ነጋዶ እዚኣቶም መሻርኽቶም ክትከውን ኣይትኽእል ኢያ። ድሕሪ ደጊምውን ንህዝብታት ምድሪ በቲ ምስጢር ዝዀነ ሃይማኖታዊ ግብርታታ ኣይከተታልሎምን ኢያ።

ዘሰንብድ ናይ ደም ገበን

14. ንብርታዐ ፍርዲ የሆዋ እቲ ብርቱዕ መልኣኽ እንታይ ምኽንያት ይህበሉ: የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎኸ ብተመሳሳሊ እንታይ በለ፧

14 እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ንዓባይ ባቢሎን ስለምንታይ ኣበርቲዑ ከም ዝፈርዳ ይነግረና። እቲ መልኣኽ ከምዚ ይብል:- “ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ።” (ራእይ 18:24) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት በቲ ‘ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ: ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም’ ተሓተትቲ ምዃኖም ነገሮም። በዚ መሰረት ድማ እቲ ጠዋይ ወለዶ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ጠፍአ። (ማቴዎስ 23:35-38) ሎሚ: ካልእ ናይ ሃይማኖታውያን ወለዶ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ኣምላኽ መስጐግቲ ብምውራድ ናይ ደም ገበን ተሸካሚ ኰይኑ ኣሎ።

15. ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ግዜ ናዚ ጀርመን ብኽልተ መገዲ ናይ ደም ገበነኛ ዝዀነት ብኸመይ ኢያ፧

15 ኣብታ ዘ ካቶሊክ ቸርች ኤንድ ናዚ ጀርመኒ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፉ: ጉንተር ሌዊ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ13 ሚያዝያ [1933] ኣብ ባቫርያ ምስ ተኣገዱ: ቤተ-ክርስትያን ንዝዀነ ገና በቲ ክልኩል ሃይማኖት ዝመላለስ ኣባል ናይዚ ኣንቆራ እዚ: ኣሕሊፋ ክትህብ ብሚኒስትሪ ትምህርትን ሃይማኖትን ንእተዋህባ መዝነትውን ከይተረፈ ተቐቢላቶ ኢያ።” በዚ ኸምዚ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ንኣሽሓት መሰኻኽር ናብ መዳጐኒ ደምበታት ብምስትላም ኣብቲ በደል ተኻፋሊት ኢያ፣ ኣእዳዋ ብደም ናይቶም ብኣማእታት ዝቝጸሩ እተቐትሉ መሰኻኽር ተጸይቑ ኢዩ። ከም በዓል ዊልሄልም ኩስሮው ዝኣመሰሉ መንእሰያት መሰኻኽር ክርሽንዎም ከለዉ ብትብዓት ክሞቱ ከም ዝኸኣሉ ምስ ኣርኣዩ: ሂትለር ነዞም ብሕልና ምኽንያት ዝቃወሙ ምርሻን ዝውሕዶም ኢዩ ኢሉ ወሰነ፣ ስለዚ ዎልፍጋንግ ሓዉ ንዊልሄልም ኣብ 20 ዓመቱ ብጊለቲን ክሳዱ ተቘርጸ። ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ካቶሊክ ዝዀኑ ጀርመናውያን መንእሰያት ኣብ ሰራዊት ናይ ዓደቡኦም ክሞቱ ተተባብዖም ነበረት። ናይታ ቤተ-ክርስትያን ናይ ደም ገበን ብንጹር ዝርአ ኢዩ!

16, 17. (ሀ) ዓባይ ባቢሎን ተሓታቲት እትዀነሉ ናይ ደም ገበን እንታይ ኢዩ: ቫቲካን በቶም ኣብ ናይ ናዚ ጃምላዊ ቅትለት ዝሞቱ ኣይሁድ ናይ ደም ገበነኛ እትኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ናይቶም ኣብቲ ብኣማእታት ዝቝጸር ኣብዚ ግዜና እተገብረ ውግኣት እተቐትሉ ሚልዮናት ሰባት ተሓታቲት እትዀነሉ ሓደ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

16 ይኹን እምበር: እቲ ትንቢት ‘ደም ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሓርዱ ዘበሉ’ ተሓታቲት ዓባይ ባቢሎን ምዃና ኢዩ ዝነግር። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ሓቂ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ንኣብነት: ናይ ካቶሊክ ጕርሕታት ሂትለር ኣብ ጀርመን ስልጣን ንኽረክብ ስለ ዝሓገዘ: ቫቲካን ነቶም ብናይ ናዚ ጃምላዊ ቕትለት ዝሞቱ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁድ ብዝምልከት ተኻፋሊት ናይ ደም ገበን ኢያ። ብተወሳኺ: ኣብዚ ግዜና ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ኣማእታት ውግኣት ተቐቲሎም ኢዮም። ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ዓባይ ባቢሎን ተወቃሲት ድያ፧ እወ: ብኽልተ መገዲ ተወቃሲት ኢያ።

17 ብዙሕ ውግኣት ምስ ሃይማኖታዊ ፍልልያት እተታሓሓዘ ብምዃኑ እትውቀሰሉ ሓደ መገዲ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ህንዲ ኣብ መንጎ ኣስላምን ሂንዱን ብ1946-48 እተገብረ ዓመጽ: ብሃይማኖት እተለዓዓለ ኢዩ ነይሩ። ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸር ህይወት ጠፍአ። እቲ ብ1980ታት ኣብ መንጎ ኢራቕን ኢራንን ዝነበረ ምግርጫው ምስ ናይ ኣንቆራ ፍልልያት እተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ: ብኣማእታት ኣሽሓት ከኣ ተቐትሉ። እቲ ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ዘሎ ዓመጽ ብኣሽሓት ዝቝጸር ህይወት ኣጥፍአ። ብ1976 ነዚ መድረኽ እዚ ክምርምር ከሎ ጸሓፍ ዓምዲ ሲ. ኤል. ሲለዝበርገር ከምዚ በለ:- “ፍርቂ ወይ ካብኡ ዝበዝሐ ናይቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣት: ግሁድ ሃይማኖታዊ ምግርጫው ወይ ምስ ሃይማኖታዊ ምስሕሓብ እተታሓሓዘ ምዃኑ ዘሕዝን ሓቂ ኢዩ።” ብርግጽ: ኣብ ብምሉኡ እቲ ዕግርግር ዝመልኦ ናይ ዓባይ ባቢሎን ታሪኽ ከምኡ ኢዩ ነይሩ።

18. ናይ ዓለም ሃይማኖታት ናይ ደም ገበነኛታት ዝዀናሉ ካልኣይ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

18 እቲ ኻልኣይ መገዲኸ እንታይ ኢዩ፧ ናይ ዓለም ሃይማኖታት: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ካብ ኣገልገልቱ ዝደልዮ ሓቂ ንሰዓብተን ብዘእምን መገዲ ብዘይምምሃረን ብኣረኣእያ የሆዋ ናይ ደም ገበነኛታት እየን። ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ኣምላኽ: ንየሱስ ክመስልዎን ንኻልኦት መበቆል ሃገሮም ብዘየገድስ ፍቕሪ ከርእዩን ከም ዘለዎም: ንሰባት ብዘእምን መገዲ ኣይማሃራን። (ሚክያስ 4:3, 5፣ ዮሃንስ 13:34, 35፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ 1 ዮሃንስ 3:10-12) እተን ንዓባይ ባቢሎን ዘቝማ ሃይማኖታት ነዚ ነገራት እዚ ብዘይምምሃረን: ስዓብተን ኣብ ኣህጉራዊ ዓዘቕቲ ናይ ውግእ ኣተዉ። እዚ ኣብቲ መጀመርታ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ክልተ ናይ ዓለም ውግኣት ግሁድ ኢዩ ነይሩ፣ ክልቲኡ ኣብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃገራት ኢዩ ጀሚሩ: ደቂ ሓደ ሃይማኖት ናብ ምትሕርራድ ከኣ ኣምርሐ! ኵሎም እቶም ክርስትያን ኢና ዝብሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት እንተ ዝስዕቡ ነይሮም: እቲ ዝሓለፈ ክልተ ውግኣት ፈጺሙ ኣይምዀነን ነይሩ።

19. ዓባይ ባቢሎን እንታይ ዘሰንብድ ናይ ደም ገበን ኢያ ተሰኪማ ዘላ፧

19 የሆዋ ናይዚ ዅሉ ዝፈሰሰ ደም ተሓታትነት ኣብ ዓባይ ባቢሎን ኢዩ ዘውዕሎ። ናይ ሃይማኖት መራሕቲ: ብፍላይ ከኣ ናይ ህዝበ-ክርስትያን: ንህዝቦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምሂሮሞም እንተ ዝዀኑ ከምዚ ዝበለ ጃምላዊ ምፍሳስ ደም ኣይምሃለወን ነይሩ። ብሓቂ እምበኣር ዓባይ ባቢሎን—እታ ዓባይ ኣመንዝራን ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን—ብደም ናይቶም ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ: ዘሳጐገቶምን ዝቐተለቶምን ‘ደም ነብያትን ቅዱሳትን’ ጥራይ ዘይኰነስ ንደም ‘ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉ’ ንየሆዋ ክትምልሰሉ ኣለዋ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብርግጽ እምበኣር ዓባይ ባቢሎን ዘሰንብድ ናይ ደም ገበን ኢያ ተሰኪማ። እቲ ናይ መወዳእታ ጥፍኣታ ምስ ተፈጸመ ጽቡቕ ዕረፍቲ ክኸውን ኢዩ!

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 270 ዘሎ ሳጹን]

ዋጋ ምልምማጥ

ጉንተር ለዊ ኣብታ ዘ ካቶሊክ ቸርች ኤንድ ናዚ ጀርመኒ (እንግሊዝኛ) እተባህለት መጽሓፉ: ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “እቲ ናይ ጀርመን ሃይማኖት ካቶሊክ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ንናይ ናዚ መንግስቲ ዝቃወም መምርሒ ጠቢቑ እንተ ዝሕዝ: ታሪኽ ዓለም እተፈልየ ጉዕዞ ምሓዘ ነይሩ። እዚ ቓልሲ እዚ ንሂትለር ስዒሩ: ንዅሉ እቲ ገበናቱ ክኽልክል እኳ እንተ ዘይከኣለውን: በዚ ኣረኣእያ እዚ ንስነ-ምግባራዊ ክብሪ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ መጠን ክብ ከብሎ ምኸኣለ ነይሩ። ንኸምዚ ዝበለ ምቅዋም ዝኽፈል ሰብኣዊ ዋጋ ዓቢ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይክሓድን ኢዩ: እዚ መስዋእትታት እዚ ግን ምእንቲ እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ተባሂሉ ምተገብረ ነይሩ። እቲ ኣብ ዓዱ ዝነበረ ግምባር ስለ ዘየተኣማምኖ ኸኣ ሂትለር ውግእ ንኽጅምር ኣይምደፈረን ነይሩ: ቃል ብቓሉውን ህይወት ናይ ሚልዮናት ምድሓነ ነይሩ። . . . ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ጀርመናውያን ጸረ-ናዚ ኣብ ናይ ሂትለር መዳጐኒ ደምበታት ተሳቕዮም ኪሞቱ ኸለዉ: ናይ ፖላንድ ምሁራት ክሕረዱ ኸለዉ: ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሩስያውያን ከም ስላቫውያን ኣንተርመንሽን [ትሕቲ ሰብ] ተቘጺሮም ኪሞቱ ኸለዉ: ከምኡውን እቶም 6,000,000 ሰባት ‘ኣርያን ብዘይምዃኖም’ ክቕተሉ ከለዉ: እቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ እዚ ዓመጻታት እዚ ንኽገብር ደገፍዎ። እቲ ኣብ ሮማ ዝነበረ ጳጳስ: ናይ ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን መንፈሳዊ ርእስን ናይ ዝለዓለ ስነ-ምግባር መምህርን ክነሱ: ስቕ በለ።”—ገጽ 320, 341

[ኣብ ገጽ 268 ዘሎ ስእሊ]

ነገስታት “ወይለኺ: ወይለኺ” ይብሉ

[ኣብ ገጽ 268 ዘሎ ስእሊ]

ነጋዶ “ወይለኣ: ወይለኣ” ይብሉ