ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን” ምፍንፋን

“ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን” ምፍንፋን

ምዕራፍ 10

“ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን” ምፍንፋን

ትያቲራ

1. ምስተን ካልኦት ጉባኤታት ብምዝማድ ኣቀማምጣ ትያቲራ ከመይ ኢዩ ነይሩ: ኣብ ከመይ ዝበለ ሃይማኖታዊ ከባቢኸ ኢያ ነይራ፧

 ዳርጋ 64 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ብደቡባዊ ምብራቕ በርጋማ (ጴርጋሞስ) እታ ኣኪሳር እትብሃል ዕምርቲ ናይ ቱርኪ ከተማ ትርከብ። ገለ 1,900 ዓመታት ይገብር ከተማ ትያቲራ ኣብዚ ቦታ እዚ ነበረት። ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ካብ ጴርጋሞስ በቲ ናይታ ሃገር መገድታት ኣቢሉ ናብ ትያቲራ: ካብኡ ቐጺሉውን ነተን ኣብ ራእይ ምዕራፍ 3 ተጠቒሰን ዘለዋ ጉባኤታት ሳርዴስ: ፊላደልፍያ: ከምኡውን ሎዲቅያ ብቐሊሉ ክበጽሐን ይኽእል ነበረ። ትያቲራ: ከም ጴርጋሞስ ቀንዲ ማእከል ናይ ሃጸይ ኣምልኾ ኣይነበረትን: እንተዀነ ግን ንኣማልኽቲ ኣረማውያን እተወፈየ ቅዱስ ቦታታትን ኣብያተ-መቓድስን ነበራ። ትያቲራ ውርይቲ ናይ ንግዲ ማእከል ኢያ ነይራ።

2, 3. (ሀ) ብዛዕባ ሓንቲ ክርስትያን ዝዀነት በዓልቲ ትያቲራኸ ኣቐድም ኣቢሉ እንታይ ተጻሒፉ ነበረ፧ (ለ) የሱስ “ወዲ ኣምላኽ” ከምኡውን “ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ” ምዃኑስ ነቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ትርጕም ነበሮ፧

2 ጳውሎስ ኣብ መቄዶንያ ክሰብኽ ከሎ ምስ ሓንቲ ልድያ እተባህለት ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ በዓልቲ ትያቲራ ተራኸበ። ልድያን ምሉኣት ስድራቤታን: ነቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ ዝነበረ መልእኽቲ ብሓጐስ ተቐበሉዎ: ከምኡውን ሓለፍ ዝበለ ናይ ምቕባል ኣጋይሽ መንፈስ ኣርኣዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15) ተመዝጊቡ ካብ ዘሎ ኸኣ ቀዳመይቲ ክርስትና እተቐበለት በዓልቲ ትያቲራ ኰነት። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ ኸኣ እታ ከተማ ንርእሳ ናይ ክርስትያናት ጉባኤ ክህልዋ ከኣለ። የሱስ እቲ ዝነውሐ መልእኽቱ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኢዩ ዝለኣኸ:- “ናብ መልኣኽ ማሕበር [“ጉባኤ:” NW] ትያቲራውን ጽሓፍ: እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ: ኣእጋሩውን ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ዚመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ።”ራእይ 2:18

3 ዋላ’ኳ የሱስ ኣብ ካልእ ቦታ ናይ መጽሓፍ ራእይ ንየሆዋ “ኣቦይ” ኢሉዎ እንተሎ: እታ “ወዲ ኣምላኽ” እትብል ኣጸዋውዓ ግን ኣብዚኣ ጥራይ ኢያ እትርከብ። (ራእይ 2:27፣ ራእይ 3:5, 21) ነዚ መዓርግ እዚ ምጥቃሙ: ነቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት ምናልባሽ ነቲ የሱስ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንኸዘኻኽሮም ሓጊዙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ወዲ እዚ ኸኣ “ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ” ኣለዋኦ:—እዚ ድማ ፍርዱ ኣንጻር ናይቲ ኣብታ ጉባኤ ዝርእዮ ዘበላሹ ዘበለ ክነድድ ከም ዝዀነ ነቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት መጠንቀቕታ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ከም ኣስራዚ ዘንጸባርቕ ኣእጋሩ ካልኣይ ግዜ ምጥቃሱ ኸኣ: ነቲ ኣብ ምድሪ ክመላለስ ከሎ ዘርኣዮ ፍሉይ ኣብነት ናይ ተኣማንነት ኢዩ ዘጕልሕ። እቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት ምኽሩ ከም ዘቕለቡሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ንሕናውን ሎሚ ክንሰምዖ ይግባኣና!—1 ጴጥሮስ 2:21

4, 5. (ሀ) የሱስ ነቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት ክንእዶም ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ጉባኤ ትያቲራ ነዘን ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትመስል ብኸመይ ኢያ፧

4 ዘሐጕስ ከኣ: የሱስ ነቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት ክንእዶም ክኢሉ ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን: እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ: እፈልጥ አሎኹ።” (ራእይ 2:19) ከም ሰብ ኤፌሶን ዘይኰነስ: እቶም ኣብዛ ጉባኤ እዚኣ ዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት ነታ ኣብ የሆዋ ዝነበረቶም ቀዳመይቲ ፍቕሪ ኣየጥፍእዋን። እምነቶም ጽንዕቲ ኢያ። ብዘይ እዚ ድማ ግብሮም ካብቲ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይበዝሕ: ብተወሳኺ ኸኣ ከምተን ኣቐዲመን እተጠቕሳ ሰለስተ ጉባኤታት: ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናትውን ይጽመሙ ነይሮም ኢዮም። እዝስ ሎሚውን ምስዘን ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከባ ዳርጋ 100,000 ዝዀና ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝመሳሰል ኰን ኢዩ! ናይ ኣገልግሎት መንፈስ ቅንኢ ንኣሽቱን ዓበይትን ብምልዕዓል ነታ ማሕበር ክመልኣ ኸሎ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ይንጸባረቕ። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰባት ፓይነራት ብምዃን: እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ነቲ ኽቡር ብስራት ናይታ ትመጽእ መንግስቲ ብምስባኽ ብጥበብ ይጥቀምሉ ኣለዉ!—ማቴዎስ 24:14 ማርቆስ 13:10

5 ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል: ካብቶም ቅቡኣት ኰነ ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ሓያለይ እሙናት: ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለም ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ደልሃመት እናጠሓለት ክትከይድ ከላ ንሳቶም ግን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣብነት ዝኸውን ምጽማም የርእዩ ኣለዉ። ሃየ እምበኣር: ንሕናውን ተባዓት ንዅን! መጽሓፍ ራእይ ነቲ ምስክርነት ናይቶም ቀዳሞት ነብያት ኣምላኽ ተረጋግጾ ኢያ። “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚአብሄር . . . ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ።”—ጸፎንያስ 1:14፣ ዮኤል 2:1፣ ኣንባቆም 2:3፣ ራእይ 7:9፣ 22:12, 13

‘እታ ኢዛቤል እትበሃል ሰበይቲ’

6. (ሀ) ጉባኤ ትያቲራ ዘንእድ ነገራት እኳ እንተ ነበራ: የሱስ ግን እንታይ ብኡንብኡ ክእረም ዝነበሮ ሽግር ኢዩ ዘስተብሃለ፧ (ለ) ኢዛቤል እንታወይቲ ኢያ ነይራ: ነብዪት ከብላ ዝኽእል ቅቡል ምኽንያትከ ነይሩዋዶ ኢዩ፧

6 እቲ ከም ሃልሃልታ ዝዀነ ኣዒንቲ የሱስ ዝያዳ ኣዕሚቑ ብምትኳር ይጥምት። ብኡንብኡ ምእራም ዘድልዮ ነገር ድማ የስተብህል። ነቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት: “ግናኸ ነታ: ነብዪት እየ: እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል: ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ አሎኹ” ይብሎም። (ራእይ 2:20) ኣብ ዓስራይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ንግስቲ ኢዛቤል: እታ ንበዓል እተምልኽ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ንኣከኣብ ንጉስ እስራኤል: በቲ ናይ ቅትለትን ዝሙትን ጭቆናን መገድታታ ዕልልቲ ኰይና ነበረት። የሁ ከም ናይ የሆዋ ቅቡእ ኰይኑ ድማ ኣቕተላ። (1 ነገስት 16:31፣ 18:4፣ 21:1-16፣ 2 ነገስት 9:1-7, 22, 30, 33) እታ መምለኺት ጣኦት ዝነበረት ኢዛቤል: ነብዪት እየ ከብላ ዝኽእል ምኽንያት ኣይነበራን። ከምተን ኣብ እስራኤል እሙናት ነብዪታት ኰይነን ዘገልገላ ምርያምን ዲቦራን ኣይነበረትን። (ዘጸኣት 15:20, 21፣ መሳፍንቲ 4:4፣ 5:1-31) ከምኡውን ከምቲ ነታ ኣዝያ ዝኣረገት ሃናን ነተን ኣርባዕተ ኣዋልድ ደቂ ፊልጶስ ወንጌላውን ክንበያ ዘለዓዓለን: ንኢዛቤል መንፈስ የሆዋ ኣየለዓዓላን።—ሉቃስ 2:36-38፣ ግብሪ ሃዋርያት 21:9

7. (ሀ) የሱስ ‘ንኢዛቤል እታ ሰበይቲ’ ምጥቃሱ ብርግጽ ንኸመይ ዝበለ ጽልዋ ኢዩ ከመልክት ደልዩ፧ (ለ) ገለ ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ ኣንስቲ ነቲ ብርእስኻ ናይ ምኻድ ተግባረን ልክዕ ምዃኑ ብኸመይ ኣረጋጊጸን ክዀና ይኽእላ፧

7 ብጋህዲ እምበኣር: እታ ኣብ ትያቲራ ነብዪት እየ ትብል ዝነበረት ‘ኢዛቤል እታ ሰበይቲ’ ኣምሰሉ ኢያ ነይራ። ደገፍ ናይ መንፈስ ኣምላኽ ኣይነበራን። እዚኣስ መን ኢያ ነይራ፧ ምናልባት ኣብታ ጉባኤ ብዘይሕፍረት ብልሽው ጽልዋ እትገብር ዝነበረት ሓንቲ ሰበይቲ ወይ ጕጅለ ኣንስቲ ክዀና ይኽእላ ኢየን። ገለ ኣብታ ጉባኤ ሕብረት ዝነበረን ኣንስቲ ንኣባላት ጉባኤ ኣብ ርኽሰት ኣውዲቐን ከብቅዓ: ነቲ ብርእስኻ ናይ ምኻድ ተግባራተን ልክዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ከኣ ብድርቅና ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዘይመዓላኡ ብምውዓል የማኻንያ። ብርግጽ ብሓሶት ምንባይ! ካልኦት ኣብቲ ናተን መገድታት ናይ “ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት” ንኸውድቓ ጽልዋ ይገብራ። (ቈሎሴ 3:5) ንሳተን ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ኣብቲ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሎሚ ስምረት ዝህባሉ ወይ ሸለል ዝብልኦ ዓይነት ናይ ዘይስነ-ምግባራዊ ስርዓትን ርእስኻ ምፍታውን ናብራ ክኣትዉ እየን ዝድርኽኦም ነይረን።

8. (ሀ) ብዛዕባ እታ ኣብ ትያቲራ ዝነበረት “ኢዛቤል”: ውሳነ የሱስ እንታይ ነበረ፧ (ለ) ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ዘይግቡእ ጽልዋ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ኢዩ ተራእዩ፧

8 የሱስ ቀጺሉ ነቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ሽማግለታት ከምዚ ይብሎም:- “ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ: ጊዜ ሂበያስ: ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን። እንሆ: ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ: ነቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸአ: ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ: ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ።” (ራእይ 2:21, 22) ከምቲ እታ ናይ መጀመርታ ኢዛቤል ንኣከኣብ ብርእዮ መሊኻቶ ዝነበረት: ድሓር ድማ ነቲ ፈጻም ፍርዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሁ ብንዕቀት ዝረኣየቶ: እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጽልዋ እዚ ኸኣ ንሰብኡትን ሽማግለታትን ክጠዋዊ ይፍትን ነይሩ ይኸውን ኢዩ። እቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ሽማግለታት ነቲ ትሕትና ዝጐደሎ ናይ ኢዛቤል ጽልዋ እተጻወርዎ ኢዮም ዝመስሉ። ኣብዚ ኸኣ: የሱስ ንዕኦም ከምኡውን ነተን ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ ዝኸውን ብርቱዕ መጠንቀቕታ የስምዕ። ኣብዚ ዘመናዊ ግዜውን: ገለ ከምዚአተን ዝበላ ብርቱዕ ትምኒት ዘለወን ኣንስቲ ንሰብኡተን ናብ ክሕደት ክወድቁ ሓቢለንኦም ኢየን: ከምኡውን ኣንጻር እቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ናይ ቤት ፍርዲ ክሲ ከይተረፈ ኣቕሪበን ኢየን።—ምስ ይሁዳ 5-8 ኣረኣእዮ።

9. (ሀ) ቃላት የሱስ ብዛዕባ ኢዛቤል ንዅላተን ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ ኣንስቲ ዘይምልከተን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ ኢዛቤል ጽልዋ ዝለዓል መዓስ ጥራይ ኢዩ፧

9 እዚ ነተን ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ እሙናት ክርስትያናት ብምንም መገዲ ኣይምልከተንን ኢዩ። ሎሚ ዝበዝሐ ክፍሊ ናይቲ ዕዮ ስብከት ብእሙናት ኣሓት ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፣ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር ጭፍራ ናይ ሓደስቲ ሰባት ናብተን ጉባኤታት የምጽኣ ኣለዋ። ኣምላኽ ባዕሉውን ነዚ ዕዮ እዚ ከም ዝባርኾ ኣብ መዝሙር 68:11 ከምዚ ብምባል ገሊጹ ኣሎ:- “እግዚአብሄር ቃሉ ይህብ: እተን ሓጐስ ዜበስራ [“ኣንስቲ:” NW] ዓብዪ ጭፍራ እየን።” ሰብኡት በቲ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ” ልኡምን ኣኽብሮት ዘለዎን ጠባይ ናይ ኣንስቶም ናብ ሰናይ ክምርሑ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 3:1-4) ንጉስ ሉሚኤል እውን ነታ ደገኛን ጻዕረኛን ሰበይቲ ንኢዱዋ ኢዩ። (ምሳሌ 31:10-31) ኣንስቲ ካብ መስመር ወጺአን ንሰብኡት ምስ ዘስድዓ ወይ ንርእስነት ምስ ዝቃወማ ወይ ሸለል ምስ ዝብላ ኢዩ ናይ ኢዛቤል ጽልዋ ዝለዓል።—ኤፌሶን 5:22, 23፣ 1 ቈሮንቶስ 11:3

10. (ሀ) ኢዛቤልን ደቃን ስለምንታይ ኢዮም ዝፍረዱ፧ (ለ) እቶም ደቂ ኢዛቤል ዝዀኑ ኣብ እንታይ ሓደገኛ ኵነታት ኢዮም ዘለዉ: እዚኣቶምከ እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዘለዎም፧

10 የሱስ ብዛዕባ ‘ኢዛቤል እታ ሰበይቲ’ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል:- “ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ: ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት [“ጉባኤታት:” NW] ኪፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።” (ራእይ 2:23) የሱስ ንኢዛቤልን ደቃን ክናስሑ ግዜ ሃቦም: ንሳቶም ግና ኣብቲ ዘይስነ-ምግባራዊ መገድታቶም ጸኒዖም ቀጸሉ: ስለዚ ክፍረዱ ኣለዎም። ኣብዚ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ብርቱዕ መጠንቀቕታ እንሆ። ኵሎም እቶም ንኢዛቤል ዝመስሉ: ነቲ ከም እኒ ርእስነትን ስነ-ምግባራውነትን ዝኣመሰለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥሓስ ወይ ከኣ ተረርቲ ብምዃን ቲኦክራሲያዊ ኣገባብ ሸለል ዝብሉ ደቃ ዝዀኑ ሰብኡት ወይ ኣንስቲ: ብመንፈሳዊ መገዲ ሓደገኛ ብዝዀነ ኵነታት ሓሚሞም ኣለዉ። ሓቂ ኢዩ: ሓደ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ዘሎ ሰብ ክጽልይሉ ኢሉ ንሽማግለታት ጉባኤ ምስ ዝጽውዕ: ‘እታ ናይ እምነት ጸሎት ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ: ጐይታውን [“የሆዋውን:” NW] ከተንስኦ እዩ:’—እዚ ግን እቲ ሰብ ብትሕትና ኣካይዳኡ ምስቲ ጸሎት ምስ ዘሰማምዕ ኢዩ ክሰርሕ ዝኽእል። እንተዀነ ግን ሓደ ሰብ: ነቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራቱ ክኽውል (ወይ ክትክውል) ብምፍታን ወይ ድማ ብደገ ናይ ኣገልግሎት ቅንኢ ከም ዘለዎ ብምምሳል ንኣምላኽ ወይ ክርስቶስ ክጥብር ኢሉ ኣይሕሰብ።—ያእቆብ 5:14, 15

11. እዘን ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ካብቲ ዘይሕጋዊ ጽልዋ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምእንቲ ክነቕሓ ዝሕገዛ ብኸመይ ኢየን ፧

11 መብዛሕትአን ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሎሚ ነዚ ሓደጋ እዚ ንቑሓት ምዃነን ዘሐጕስ ኢዩ። ሽማግለታት ንኣሰር ናይ ዘይቲኦክራሲያዊ ኣቃውማ ከምኡውን እከይ ግብሪ ይጥንቀቕሉ ኢዮም። ነቶም ኣብ መገዲ ሓደጋ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ: ግዜ ቅድሚ ምውሳዱ መንፈሳውነቶም ክሃንጹን ክዕረዩን ምእንቲ ክሕግዝዎም ይፍትኑ ኢዮም። (ገላትያ 5:16፣ 6:1) እዞም ክርስትያን ተዓዘብቲ እዚኣቶም ኣንስቲ ንሓርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝመስል ምንቅስቓስ ንኸእትዋ ጕጅለ ፈጢረን ዝገብርኦ ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ብፍቕርን ብጽንዓትን ይኽልክልዎ። ብተወሳኺውን በብግዜኡ እዋናዊ ዝዀነ ምኽርታት ኣብ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዋሃብ ኢዩ። a

12. ሎሚ: እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ከም ናይ የሁ ዝበለ ቅንኢ ዘርኢ ዘሎ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

12 ይኹን እምበር: ገለ ኸቢድ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባር ምስ ዝፍጸም እሞ: ብሕልፊ ኸኣ እዚ ልማድ ምስ ዝኸውን: እቶም ዘይናስሑ ረሲኣን ክውገዱ ይግባእ። የሁ ኵሉ ኣሰር ጽልዋ ኢዛቤል ካብ እስራኤል ከጥፍእ ዘርኣዮ ቅንኢ ንዝክሮ ኢና። ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ነቶም “ዮናዳብ” ዝዀኑ ብጾቶም ኣብነት ብምዃንን ንገዛእ ርእሶም ከኣ ካብቶም ብፍታው ዘገልግሉ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣገልገልቲ እተፈልዩ ከም ዝዀኑ ብምርኣይን ጽኑዕ ስጕምትታት ይወስዱ ኣለዉ።—2 ነገስት 9:22, 30-37፣ 10:12-17

13. እቶም ብእኩይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጽልዋ ዝምለኹ እንታይ ክዀኑ ኢዮም፧

13 ከም ናይ የሆዋ ልኡኽን ፈራድን መጠን: እቲ ወዲ ኣምላኽ ነዛ ዘመናዊት ኢዛቤል ንኸለልያን ሕዱር መንፈሳዊ ሕማም ስለ ዘለዋ ኸኣ ኣብ ዓራት ሕማም ንኸውድቓን ብዝግባእ ኢዩ ዝዓዪ። (ሚልክያስ 3:1, 5) እቶም በዚ እኩይ ጽልዋ ደቂ ኣንስትዮ እዚ ዝምለኹውን ከም ምዉታት ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምቝራጽ: ተወጊዶም ከኣ ብምሕዛን ዓቢ ጸበባ ክወርዶም ኢዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም እንተዘይተነሲሖም: እንተዘይተመሊሶም ኣብታ ጉባኤውን እንደገና ቅቡላት እንተዘይኰይኖምሲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ በቲ ዓቢ ጸበባ “ብዝቐትል መዓት” ኣካላዊ ሞት ክርወዶም ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ካብቲ እኩይ ግብሮም ምሉእ ብምሉእ እንተተጣዒሶም ክምለሱ ይኽእሉ ኢዮም።—ማቴዎስ 24:21, 22፣ 2 ቈረንቶስ 7:10

14. (ሀ) የሱስ ነቲ ከም ናይ ኢዛቤል ጽልዋ ዝኣመሰለ ገሊኡ ጸገማት ንምፍታሕ: ብኸመይ ኢዩ ነቶም ሽማግለታት ዝጥቀመሎም፧ (ለ) እታ ጉባኤ ነቶም ከምዚ ዝበለ ጸገማት ዝፈትሑ ሽማግለታት ብኸመይ ኢያ ክትሕግዞም ዘለዋ፧

14 የሱስ “ኰላሊት:” እቲ ዝዓመቘ ስምዒታት: ከምኡ ኸኣ ‘ልቢ:’ ውሽጣዊ እንታይነት ናይቲ ሰብ: ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ እማመታትውን ከይተረፈ ዝምርምር ምዃኑ “ብዘለዋ ጉባኤታት” (NW) ክፈልጣ ይግብአን። ምእንቲ እዚ ኢሉ ኸኣ: ንገለ እሙናት ከዋኽብቲ ወይ ሽማግለታት: ጽልዋ ናይ ኢዛቤል ንዝኣመሰለ ዝቕልቀል ገለ ግድላት ንምፍታሕ ይጥቀመሎም ኢዩ። (ራእይ 1:20) እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ብጥንቃቐ መርሚሮም ፍርዲ ምስ ሃቡ: ዝዀነ ውልቀ-ሰብ ናይቲ እተወስደ ስጕምቲ ምኽንያት ክምርምር ዝምልከቶ ኣይኰነን። ኵላቶም ንውሳነ ናይቶም ሽማግለታት ብትሕትና ክቕበልዎን: ነዞም ከዋኽብቲ ናይታ ጉባኤውን ደገፍቲ ምዃን ክቕጽሉን ኢዩ ዝግባእ። ንየሆዋን ነቲ ናይ ማሕበሩ ምድላዋትን እሙን ምዃን ዓስቢ ኣለዎ። (መዝሙር 37:27-29፣ እብራውያን 13:7, 17) የሱስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ክህብ ከሎ: ግዴኻ በረኸት ዝኸውን ይግበሮ።—ገላትያ 5:19-24፣ 6:7-9

“ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሐዝዎ”

15. (ሀ) የሱስ ነቶም ብኢዛቤል ዘይተበላሸዉ እንታይ ኢዩ ዝበሎም፧ (ለ) ኵሎም እቶም ብ1918 ዝነበሩ ክርስትያን ኢና ዝብሉ በታ ከሓዲት ህዝበ-ክርስትያን ከም ዘይተበላሸዉ እንታይ የርኢ፧

15 እተን ቀጺለን ዝነበራ ቃላት የሱስ ምጽንናዕ ዝህባ ኢየን:- “ኣብ ትያቲራ ንዘሎኹም ኵላትኩም ካልኦት ግና: ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን:—ከመዮ ንሳቶም ዚብልዎ:—ዘይፈለጥኩምዎ: እዚ ምህሮ እዚ ንዜብልኩም: ንኣኻትኩምሲ: ካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ: እብለኩም አሎኹ። ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሐዝዎ።” (ራእይ 2:24, 25) ኣብ ትያቲራ ብኢዛቤል ዘይተጸልዉ እሙናት ነፍሳት ነይሮም ኢዮም። ብተመሳሳሊ: ን40 ዓመታት ዝኣክል ቅድሚ 1918 ኰነ ብድሕሪኡ: ነቲ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ልሙድ ዝዀነ ዘይስነ-ምግባራውን ብልሹውን መገድታት ስቕ ኢሎም ዝረኣይዎ ኵሎም እቶም ክርስትያን ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ኣይኰኑን። እቶም ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዝፍለጡ ዘለዉ ሒደት ጕጅለ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ካብ ኵሉ እቲ በታ ከሓዲት ህዝበ-ክርስትያን ኣቢሎም ዝረኸብዎ ባቢሎናዊ እምነታትን ልምድታትን ገዛእ ርእሶም ብምጽራይ ንኣባላት ናይ ቤተ-ክርስትያን እቲ ዘይክርስትያናዊ መበቈል ናይ መብዛሕትኡ ሰረተ-እምነታት ህዝበ-ክርስትያን ክርድእዎ ሓገዝዎም። እዚ ኸኣ እቲ ፍኑው ትምህርቲ ናይ ‘ኢዛቤል እታ ሰበይቲ’ እውን ዘጠቓልል ኢዩ።

16. የሱስን እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካልን ሓለፋ ጾር እኳ እንተ ዘየጾርዎም: ክርሕቕ ዘለዎ እንታይ ነገራት ኢዩ፧

16 ሎሚ እውን እዞም ክፍሊ ዮሃንስ ነቶም ዓቢ ጭፍራ ብጾቶም: ካብቲ ከም ብልሹው መዘናግዒታት ዓለም ዝኣመሰለ ዘይስነ-ምግባራዊ ጽልዋታት ክጥንቀቑ ኣተባቢዖምዎም ኢዮም። ብናይ ምፍላጥ ህንጥዮት ወይ እንታይ ከተርሕቕ ከም ዘሎካ ምእንቲ ክትማሃር ኢልካ ብልሽውና ክትርኢ ወይ ክትፍትን ኣየድልን ኢዩ። ካብቲ “መዓሙቝ ሰይጣን” ምርሓቕ መገዲ ጥበብ ኢዩ። የሱስ “ካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ” ይብል። እዚ ኸኣ ነቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘመን ዝነበሩ ክርስትያን ኣመሓዳሪ ኣካል ዘውጽእዎ ስርዓት የዘኻኽረና:- “ብዘይ እቲ እተገብኤ: ማለት፤ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን: ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደአ ኽትክልከሉ እምበር: ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም: ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ: ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም: ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም።” (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) መንፈሳዊ ብልጽግና ንምርካብ ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ደም (ከም ኣብ ምትሕልላፍ ደም): ከምኡውን ካብ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባር ርሓቕ! ኣካላዊ ጥዕናኻውን ክሕሎ ይኽእል ኢዩ።

17. (ሀ) ሰይጣን ሎሚ ንሰባት በቲ ‘ዓሚቝ’ ዝዀነ ነገራት ገይሩ ዝፍትኖም ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ እተሓላለኸ ናይ ሰይጣን ዓለም “መዓሙቝ” ኣረኣእያና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧

17 ሰይጣን ሎሚ ከም እተሓላለኸ ግምታትን ፍልስፍናታትን ዝኣመሰለ ንኣእምሮ ዝውድስ ካልእ “መዓሙቝ” እውን ኣለዎ። እዚኣቶም ኣብ ርእሲ እቲ ፍኑው ዘይስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ: ሓተታ መናፍስትን ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳብን የጣምሩ። እቲ ኣዝዩ ጥበበኛ ፈጣሪኸ ነዚ “መዓሙቝ” እዚ ብኸመይ ይርእዮ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ:” ከም ዝበለ ይጠቅስ። ምስ እዚ ብምንጽጻር እቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ቀሊልን ብሩህን ልቢ ዘምውቕን ኢዩ። ጥበበኛታት ዝዀኑ ክርስትያናት ነቲ እተሓላለኸ ናይ ሰይጣን ዓለም “መዓሙቝ” ካብኦም የርሕቑ። “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸአ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ምዃኑ ኣይትረስዕ።—1 ቈረንቶስ 1:19፣ 2:10፣ 1 ዮሃንስ 2:17

18. የሱስ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ኰይኖም ዝርከቡ ቅቡኣት ክርስትያን እንታይ በረኸታት ኢዩ ኣተስፍዩዎም ዘሎ: ኣብ ኣርማጌዶንከ እዞም ዝተንስኡ እንታይ መሰል ክህልዎም ኢዩ፧

18 ሕጂ የሱስ ነቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት ልቢ ዘምውቕ ቃላት ይዛረቦም። ሎሚውን ንቅቡኣት ክርስትያናት የተባብዓ ኢየን:- “ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ: ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ: ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ: ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።” (ራእይ 2:26, 27) ብርግጽ ዘደንቕ መሰል ኢዩ! እቶም ዝሰዓሩ ቅቡኣት ኣብ ትንሳኤኦም ዝቕበልዎ ስልጣን: ኣብ መዓልቲ ኣርማጌዶን ነቶም ዓለወኛታት ህዝብታት ንምጥፋእ ነቲ ‘በትሪ ሓጺን’ ክጥቀም ከሎ ምስ የሱስ ምሕባሮም ዘመልክት ኢዩ። በቲ ክርስቶስ ንጸላእቱ ከም ኣቕሓ መሬት ዝሰባብረሉ ግዜ: ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናይዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከም ዝጠልቀየ ቐሸም ኰይኑ ክቕህም ኢዩ።—መዝሙር 2:8, 9፣ ራእይ 16:14, 16፣ 19:11-13, 15

19. (ሀ) እቲ ‘ኰዀብ ጽባሕ’ መን ኢዩ: ነቶም ዝስዕሩ ዝወሃብከ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ዓቢ ጭፍራ እንታይ መተባብዒ ኢዮም ዝረኽቡ፧

19 የሱስ “ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ:” ብምባል ይውስኽ። (ራእይ 2:28) የሱስ ባዕሉ ኸኣ ጸኒሑ: እዚ “ኰዀብ” እንታይ ከም ዝዀነ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን: እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ።” (ራእይ 22:16) እወ: እቲ የሆዋ ነቲ ፍቓደኛ ዘይነበረ ከናፍር በላዓም ኣገዲዱ “ካብ ያእቆብ ኰዀብ ይወጽእ: ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ” ኢሉ ዘነበዮ: ፍጻሜኡ ኣብ የሱስ ኢዩ ዝውዕል። (ዘሁልቍ 24:17) የሱስ ነቶም ዝስዕሩ “ኰዀብ ጽባሕ” ዝህቦም ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ ገዛእ ርእሱ ንኣታቶም ብምሃብን ምስኡ ዝቐረበ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንኽገብሩ ብምውሳድን ከም ዝዀነ ርዱእ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:2, 3) ብርግጽ: ከም እትጽመም ዝገብር ሓያል ምኽንያት ኢዩ! እቲ “ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ” ምድሪ ኣብ ገነት ንምምላስ ቀልጢፉ ንጉሳዊ ስልጣኑ ክጥቀመሉ ምዃኑ ምፍላጥ ነቶም ዓቢ ጭፍራውን ዘነቓቕሕ ኢዩ!

ንጽህናኹም ሓልዉ

20. እንታይ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን እተራእየ ኵነታት ኢዩ ንገለ ካብቲ ኣብ ጉባኤ ትያቲራ ዝነበረ ድኽመታት ዘዘኻኽረና፧

20 እዚ መልእኽቲ እዚ ነቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዙሕ ኣተባቢዑዎም ክኸውን ኣለዎ። ሕስብ እሞ ኣብሎ—እቲ ኣብ ሰማይ ክብሪ ዝለበሰ ወዲ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት: ብዛዕባ ገለ ጸገማቶም ባዕሉ እኮ ኢዩ ተዛሪቡዎም! ብርግጽ: እንተወሓደ ገለ ካብቶም ኣባላት ናይታ ጉባኤ ንኸምዚ ዝበለ ፈቃር ጕስነት መሊሶምሉ ኢዮም። እዛ ካብዘን ሾብዓተ መልእኽትታት ዝነውሐት መልእኽቲ እዚኣ: ነታ ሎሚ ዘላ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንምልላይውን ትሕግዘና ኢያ። የሱስ ብ1918 ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ንኽፈርድ ምስ መጸ: መብዛሕትአን እተን ክርስትያን ኢና ዝብላ ዝነበራ ማሕበራት ብኣምልኾ ጣኦትን ብመንፈሳዊ ዘይስነ-ምግባራውነትን ተቖማጢዐን ነበራ። (ያእቆብ 4:4) ገሊአን ማሕበራት እምነተን ኣብ ትምህርቲ ናይ ከም በዓል ኤለን ዋይት ናይ ሰቨንስ ደይ ኣድቨንቲስ: መሪ ቤኬር ኤዲ ናይ ክርስችያን ሳይንቲስት ዝኣመሰላ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዕቡያት ኣንስቲ እተመስረተ ገበርኦ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኸኣ ብዙሓት ኣንስቲ ኣብ መድረኽ ወጺአን ይሰብካ ኣለዋ። (ምስ 1 ጢሞቴዎስ 2:11, 12 ኣረኣእዮ።) ኣብ መንጎ እተን እተፈላለያ ማሕበራት ናይ ካቶሊክ ከኣ ማርያም ኵሉ ግዜ ካብ ኣምላኽን ክርስቶስን ንላዕሊ ኢያ እትኽበር። የሱስ ልዕሊ ኣምላኽ ገይሩ ኣየኽበራን። (ዮሃንስ 2:4፣ 19:26) ከምዚ ዝበለ ዘይግቡእ ጽልዋ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዝቕበላ ማሕበራት ከም ክርስትያንናት ተቐባልነት ክረኽባ ይኽእላዶ ኢየን፧

21. ኣብቲ ንጉባኤ ትያቲራ እተላእከ ናይ የሱስ መልእኽቲ ንነፍሲ ወከፍ እንታይ ትምህርቲ ኣለዎ፧

21 ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን: ካብቶም ክፍሊ ዮሃንስ ይኹን ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ: ነዚ መልእኽቲ እዚ ክሓስበሉ ይግባእ። (ዮሃንስ 10:16) ገሊኦም: ከምቶም ደቀ መዛሙርቲ ናይታ ኣብ ትያቲራ ዝነበረት ኢዛቤል ዝገበርዎ: ቀሊል መገዲ ምስዓብ ፈታኒ ኰይኑ ይረኽብዎ ይዀኑ። ናይ ምልምማጥ ፈተናውን ኣሎ። ሎሚ ከም ካብ ደም እተሰርሑ ነገራት ምብላዕ ወይ ከኣ ምትሕልላፍ ደም ምቕባል ዝኣመሰለ ክርክራት ክንጋጠም ኣሎና። ገሊኦም ሰባት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ቅንኢ ስለ ዘለዎም ወይ ድማ ዝርርባት ብምሃቦም: ኣብ ከም ናይ ዓመጻን ዘይስነ-ምግባራዊ ፊልምታትን ቪድዮታትን ምርኣይ ወይ መጠኑ ዝሓለፈ መስተ ምስታይ ዝኣመሰለ ካልእ ነገራት: ሸለል ንኽብሉ ዘፍቅደሎም ይመስሎም። እቲ የሱስ ነቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝሃቦም መጠንቀቕታ ንኣናውን ከምዚ ዝበለ ሓርነት ንኸይንወስድ ይነግረና። ከምቶም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ሓያለይ ክርስትያናት ዘይኰነስ: የሆዋ ንጹሃትን ዘይተኸፋፈለ ምሉእ ልቢ ዘሎናን ክንከውን ኢዩ ዝደልየና።

22. የሱስ ንኣድላይነት ናይ እትሰምዕ እዝኒ ብኸመይ ኣጕልሖ፧

22 ኣብ መወዳእታ የሱስ ከምዚ ይብል:- “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።” (ራእይ 2:29) ኣብዚ የሱስ ንራብዓይ ግዜ ነዘን ዘበራብራ ኣዝማች እዚአን ደጊምወን ኣሎ: እዚአን ከኣ ገና ኣብተን ዝስዕባ ሰለስተ መልእኽትታት መደምደምታ ክዀና ኢየን። እዛ ሰማዒት እዝኒ እዚኣ ኣላትካዶ፧ እምበኣር ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ በቲ መትረቡ ምኽሪ ክህብ ከሎ ተጠንቂቕካ ጽን ምባል ቀጽል።

[እግረ-ጽሑፍ]

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 51 ዘሎ ስእልታት]

ሎሚ ዝበዝሐ ክፍሊ ናይቲ ዕዮ ስብከት: በተን ንቲኦክራሲያዊ ስልጣን ብትሕትና ዝድግፋ እሙናት ኣሓት ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ