ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ናይ ስዕረት ሓድሽ መዝሙር ምዝማር

ነቲ ናይ ስዕረት ሓድሽ መዝሙር ምዝማር

ምዕራፍ 29

ነቲ ናይ ስዕረት ሓድሽ መዝሙር ምዝማር

ትርኢት 9​—ራእይ 14:1-20

ቀንዲ መልእኽቲ:- እቶም 144,000 ኣብ ደብረ ጽዮን ምስቲ ገንሸል ኣለዉ፣ ናይ መላእኽቲ ኣዋጅ ኣብ ብዘላ ምድሪ ይስማዕ፣ ዓጺድ ይካየድ

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ካብ 1914 ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ዓቢ ጸበባ

1. ብዛዕባ ራእይ ምዕራፍ 7: ምዕራፍ 12: ከምኡውን ምዕራፍ 13 እንታይ ኢና ተማሂርና ዘሎና: ሕጂኸ እንታይ ክንማሃር ኢና፧

 ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ናይ ዮሃንስ ትርኢት ክትምለስሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዘሐድስ ኢዩ! ሕጂ ምስቲ ጠገለ ዘይብሉ ኣራዊት መሰል ማሕበር እቲ ገበል ብምንጽጻር: ነቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋን ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዝገብርዎ ንጥፈታትን ኢና ክንርኢ። (ራእይ 1:10) ራእይ 7:1, 3 ኵሎም እቶም 144,000 ናይዞም ቅቡኣት ባሮት ማሕተም ክሳዕ ዝግበረሎም: እቲ ናይ ጥፍኣት ኣርባዕተ ንፋሳት ከም ዝዕገት ድሮ ገሊጻትልና ኣላ። ራእይ ምዕራፍ 12:17 ኣብቲ ግዜ እቲ: እቶም ‘ዝተረፉ ዘርኢ እታ ሰበይቲ’ ቀንዲ ዒላማ ናይ ሰይጣን: እቲ ገበል: ከም ዝዀኑ ኣፍሊጣትና ኢያ። ራእይ ምዕራፍ 13 ድማ: ነቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ብርቱዕ ጸቕጥን ጭካነ ዘለዎ መስጐግትን ንምምጻእ: ሰይጣን ኣብ ምድሪ ፖለቲካውያን ማሕበራት ከም ዘቘመ ህያው ገይራ ተርኢ። እንተዀነ ግን: እዚ ቀንዲ ጸላኢ እዚ: ንዕላማ ኣምላኽ ክዓናቕጽ ኣይክእልን ኢዩ! ሕጂ ኸኣ: ሰይጣን እኩይ ተግባራት እኳ እንተገበረ: ኵሎም እቶም 144,000 ብዓወት ከም እተኣከቡ ክንማሃር ኢና።

2. ኣብ ራእይ 14:1 ዮሃንስ ኣቐዲሙ ዘርእየና ዘሐጕስ መወዳእታ እንታይ ኢዩ: እቲ ገንሸልከ መን ኢዩ፧

2 ዮሃንስ ምስኡ ኸኣ እቶም ሎሚ ዘለዉ ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ ዘሐጕስ መጻኢ ኣቐዲሞም ይርእይዎ:- “እንሆ ድማ: እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ: ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹ።” (ራእይ 14:1) ርኢናዮ ከም ዘሎና: እቲ ገንሸል ምስቲ ንድያብሎስን ኣጋንንቱን ብምድርባይ ንሰማይ ዘጽረየ ሚካኤል ሓደ ኢዩ። ዳንኤል ክገልጾ ኸሎ: ነቲ ጻድቕ ፍርድታት የሆዋ ንምፍጻም ‘ክትንስእ’ ክቀራረብ ከሎ ‘ምእንቲ ህዝቢ [ኣምላኽ] ዚቐውም’ ዝበሎ ሚካኤል: ንሱ ኢዩ። (ዳንኤል 12:1፣ ራእይ 12:7, 9) ካብ 1914 ኣትሒዙ እዚ ርእሱ ዝሰውአ ገንሸል ኣምላኽ: ከም መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ከረን ጽዮን ደው ኢሉ ኣሎ።

3. እቲ ገንሸልን እቶም 144,000ን “ደው” ኢሎምሉ ዘለዉ “ደብረ ጽዮን” እንታይ ኢዩ፧

3 ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ “ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ” ኢሉ እተነበዮ ኢዩ። (መዝሙር 2:6፣ 110:2) እዚ ነታ ካብ መስመር ዳዊት ዝዀኑ ሰብኣውያን ነገስታት ዝገዝኡላ ዝነበሩ ከተማ ምድራዊት ከረን ጽዮን: ማለት ነቲ ጆግራፍያዊ ኣቀማምጣ ናይ ምድራዊት የሩሳሌም ኣየመልክትን ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 11:4-7፣ 2 ዜና መዋእል 5:2) ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ድሕሪ ሙማቱን ምትንስኡን: ከም እምኒ መኣዝን ናይ ሰማያዊት ከረን ጽዮን ኰይኑ: ኣብቲ የሆዋ ነታ ‘ከተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌም’ ክዀኖ ዝወሰኖ ሰማያዊ ቦታ ተሰረተ። ስለዚ እታ ኣብዚ ዘላ “ከረን ጽዮን” ነቲ ክብ ዝበለ መዓርግ የሱስን መዋርስቱን ዘመልክት ኢዩ: እዚኣቶም ሰማያዊት የሩሳሌም: ማለት እታ መንግስቲ የቝሙ። (እብራውያን 12:22, 28፣ ኤፌሶን 3:6) እዚ: እቲ የሆዋ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ክብ ዘብሎም ግርማዊ ናይ ንግስነት ኵነታት ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት: ቅቡኣት ክርስትያናት ከም “ህያዋን ኣእማን” ኰይኖም ኣብታ ሰማያዊት ከረን ጽዮን: ምስቲ ኣብ መንግስቱ ግርማ ዝለበሰ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ሓቢሮም ደው ክብሉ ብህንጥዮት ተጸብዮም ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 2:4-6፣ ሉቃስ 22:28-30፣ ዮሃንስ 14:2, 3

4. ኵሎም እቶም 144,000 ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሎም ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም፧

4 ዮሃንስ ንየሱስ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም እቶም ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ መዋርስቱ ዝዀኑ 144,000 እውን ኣብ ከረን ጽዮን ደው ኢሎም ረኣዮም። በዚ ትርኢት እዚ ተመሲሎም ክረኣዩ ከለዉ: ኵሎም ዘይኰነስ ሓያለይ ካብቶም 144,000 ድሮ ኣብ ሰማይ ኢዮም ዘለዉ። ጸኒሑ ኣብዚ ትርኢት እዚ: ዮሃንስ ገለ ካብቶም ቅዱሳት ገና ክጽመሙን ብተኣማንነት ክሞቱን ከም ዘለዎም ይርዳእ። (ራእይ 14:12, 13) እምበኣርከስ: ገለ ካብቶም 144,000 ገና ኣብ ምድሪ ከም ዘለዉ ርዱእ ኢዩ። ዮሃንስ ብምሉኣቶም ኣብ ከረን ጽዮን ምስ የሱስ ደው ኢሎም ዝርእዮም ደኣ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ a ምኽንያቱ እዚኣቶም ከም ኣባላት ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ሕጂ ናብ ‘ከረን ጽዮን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌም ኢዮም በጺሖም።’ (እብራውያን 12:22) ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ገና ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝተንስአ: እዚኣቶም እውን ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ንኽሓብሩ ድሮ ተንሲኦም ኢዮም። (ኤፌሶን 2:5, 6) ብተወሳኺ ኸኣ ብ1919 ነቲ “ነጀው ደይቡ” ዝብል መጸዋዕታ ተቐቢሎም: ብምሳልያዊ መገዲ ኸኣ “ብደበና . . . ናብ ሰማይ ደየቡ።” (ራእይ 11:12) እዚ ጥቕስታት እዚ ብምርኣይ: ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ኵሎም እቶም 144,000 ኣብ ከረን ጽዮን ምስ የሱስ ክርስቶስ ከም እተቐመጡ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።

5. ኣብ ግምባር ናይቶም 144,000 ተጻሒፉ ዘሎ ስም ናይ መን ኢዩ: ትርጕም ናይ ነፍሲ ወከፍ ስምከ እንታይ ኢዩ፧

5 እዞም 144,000 ምስቶም በቲ ምሳልያዊ ቝጽሪ 666 እተሓትሙ ኣምለኽቲ ናይቲ ኣራዊት ግደ የብሎምን። (ራእይ 13:15-18) ብኣንጻሩ እዞም እሙናት እዚኣቶም ኣብ ግምባሮም ስም ኣምላኽን ስም እቲ ገንሸልን ኣሎዎም። ብዘይጥርጥር እቲ ኣይሁዳዊ ዝነበረ ዮሃንስ ስም ኣምላኽ ብናይ እብራይስጢ ፊደላት יהוה ርኣየ። b እዞም ሕቱማት እዚኣቶም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ስም ኣቦኡ ንየሱስ ኣብ ግምባሮም ተጻሒፉ ብምርኣዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ማለት ባሮቱ ምዃኖም ንዅሉ የፍልጡ። (ራእይ 3:12) ስም የሱስ እውን ኣብ ግምባሮም ብምህላዉ: ዋንኦም ምዃኑ ኣፍልጦ ከም ዝህብሉ የመልክት። ንሱ ‘ሰብኣዮም’ ክኸውን እተሓጽዮም: ንሳቶም ከኣ ንዝመጽእ “መርዓቱ” ዝዀኑ: ሰማያዊ ህይወት ብምጥማት ንኣምላኽ ዘገልግሉ “ሓድሽ ፍጥረት” ኢዮም። (ኤፌሶን 5:22-24፣ ራእይ 21:2, 9፣ 2 ቈረንቶስ 5:17) እቲ ምስ የሆዋን ምስ የሱስ ክርስቶስን ዘለዎም ናይ ማሕርሮ ርክብ ድማ ንዅሉ ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ይትንክፎ።

ከም ሓድሽ መዝሙር ገይሮም ዘመሩ

6. ዮሃንስ ዝሰምዖ ምዝማር እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ይገልጾ፧

6 ምስ እዚ ብምስምማዕ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ የቕርብ:- “ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆ: መሰንቆታቶም ኪድርድሩ ኸለዉ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን [“ህያዋን ፍጡራትን:” NW] ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን [“ከም:” NW] ሓድሽ መዝሙር [ገይሮም] ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን: ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዐደጉ ሚእትን ኣርባዓን ኣርባዕተን ሽሕ: ንሓደ እኳ ኺመሀሮ ኣይኰነሉን።” (ራእይ 14:2, 3) ዮሃንስ እቶም 144,000 ጽቡቕ ዜማ ዘሎዎ ናይ ሓባር መዝሙር ብሓደ ድምጺ ክዝምሩ ክሰምዖም ከሎ: ደሃይ ብዙሕ ማያትን ደሃይ ነጐዳን ኢዩ ኣዘኻኺርዎ። እቲ ንጹር ድምጺ በገና ዝጥዕም መሰነይታ ደሃይሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ጥዑም ኢዩ! (መዝሙር 81:2) ኣብ ምድሪ ንዕቤት ናይዚ ሓባራዊ መዝሙር እዚ ክበጽሖ ዝኽእል እንታይ ኣሎ፧

7. (ሀ) እቲ ኣብ ራእይ 14:3 ዘሎ ሓድሽ መዝሙር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ መዝሙር 149:1 ዘሎ መዝሙር ኣብዚ ግዜና ሓድሽ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

7 እዚ “ሓድሽ መዝሙር” እዚ እንታይ ኢዩ፧ ራእይ 5:9, 10 ክንምርምር ከሎና ርኢናዮ ከም ዘሎና: እቲ መዝሙር ምስ ዕላማታት መንግስቲ የሆዋን ምስቲ ንሱ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ነቶም ናይ መንፈስ እስራኤል “ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን” ንኽገብሮም ዘሎዎ ዘደንቕ ምድላው እተተሓሓዘ ኢዩ። እዚ: እቲ የሆዋ በቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኣቢሉን ኣብ ክንድኦምን ዝገብሮ ዘሎ ሓድሽ ነገራት ብምዝርጋሕ: ንዕኡ ዝውድስ መዝሙር ኢዩ። (ገላትያ 6:16) ኣባላት ናይ መንፈስ እስራኤል ነቲ “ሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር: ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ዘምሩ። እስራኤል ብፈጣሪኡ ይተሐጐስ: ደቂ ጽዮን ብንጉሶም እልል ይበሉ” ዝብል ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ዕድመ ይምልስሉ ኢዮም። (መዝሙር 149:1, 2) ሓቂ ኢዩ እዘን ቃላት እዚኤን ቅድሚ ነዊሕ ክፍለ-ዘበናት እየን ተጻሒፈን: ኣብዚ ግዜና ግን ብሓድሽ ምርዳእ ኢየን ዝዝመራ። ብ1914 እታ መሲሓዊት መንግስቲ ተወልደት። (ራእይ 12:10) ብ1919 ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ “ቃል መንግስቲ” ብእተሓደሰ ቅንኢ ክእውጁ ጀመሩ። (ማቴዎስ 13:19) በቲ ናይ 1919 ዓመታዊ ጥቕሲ (ኢሳይያስ 54:17) ተደሪኾም: ከምኡውን ኣብ መንፈሳዊ ገነት ብምምላሶም ተተባቢዖም: ኣብታ ዓመት እቲኣ ‘ብልቦም ንጐይታ እናተቐነዩ’ ክዝምሩ ጀመሩ።—ኤፌሶን 5:19

8. እቲ ኣብ ራእይ 14:3 ተጠቒሱ ዘሎ መዝሙር እቶም 144,000 ጥራይ ክማሃርዎ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

8 እንተዀነ ግን: ነቲ ኣብ ራእይ 14:3 ተጠቒሱ ዘሎ መዝሙር ክምሃርዎ ዝኽእሉ እቶም 144,000 ጥራይ ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ምስቲ ከም ሕሩያት ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዘሎዎም ተመክሮታት እተተሓሓዘ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ከም ደቂ ኣምላኽ ፍሉይ ውልድነት እተቐበሉን ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡን ንሳቶም ጥራይ ኢዮም። ክፍሊ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ንኽዀኑ ካብ ምድሪ እተዓደጉን ወድሰብ ናብ ፍጽምና ንምብጻሕ ምስ የሱስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ካህናት ዝዀኑን ‘ዝነግሱን’ ንሳቶም ጥራይ ኢዮም። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኰይኖም ‘ከም ሓድሽ መዝሙር ገይሮም ክዝምሩ’ ዝርኣዩ ንሳቶም ጥራይ ኢዮም። c እዚ ፍሉይ ዝዀነ ተመክሮታትን ተስፋታትን እዚ: ነታ መንግስቲ ፍሉይ ሞሳ ከርእዩን ብዛዕብኣ ኸኣ ዋላ ሓደ ካልእ ሰብ ብዘይክእሎ መገዲ ክዝምሩን የኽእሎም።—ራእይ 20:6፣ ቈሎሴ 1:13፣ 1 ተሰሎንቄ 2:11, 12

9. እቶም ዓቢ ጭፍራ ንመዝሙር ናይቶም ቅቡኣት ብኸመይ መሊሶምሉ: በዚ ኸምዚኸ እንታይ ምትብባዕ ኢዮም ዝፈጸሙ፧

9 ይኹን እምበር: ካልኦት ነቲ ዝዝምርዎ ይሰምዕዎን ምላሽ ይህቡሉን ኢዮም። ካብ 1935 ኣትሒዙ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዓቢ ጭፍራ ነቲ ዕዉት መዝሙሮም ሰሚዖምን መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ምስኦም ክሓብሩ ተለዓዒሎምን ኢዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:9) ሓቂ ኢዩ: እዞም ሓደስቲ ሰባት እዚኣቶም ልክዕ ከምቲ እቶም ንዝመጽእ ገዛእቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ዝዘመርዎ ገይሮም ነቲ ሓድሽ መዝሙር ክማሃርዎ ኣይክእሉን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ንሳቶምውን ንየሆዋ በቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ሓድሽ ነገራት እናወደሱ: ምኡዝ ዜማ ዘሎዎ ናይ ሓባር መዝሙር ንየሆዋ ይዝምርሉ ኣለዉ። በዚ ኸምዚ ነቲ “ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ: ኵልኺ ምድሪ: ንእግዚኣብሄር ዘምሪ። ንእግዚኣብሄር ዘምሩ: ንስሙ ባርኹ: ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ። ክብሩ ኣብ ማእከል ኣህዛብ: ተኣምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ኣዘንትዉ። ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብ: ንእግዚኣብሄር ሀቡ: ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። ኣብ ማእከል ኣህዛብ፤ እግዚኣብሄር ነጊሱ: . . . ኢልኩም ንገሩ” ዝብል ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ቃላት ይፍጽሙ።—መዝሙር 96:1-3, 7, 10፣ 98:1-9

10. እቶም 144,000 “ኣብ ቅድሚ” እቶም 24 ምሳልያውያን ሽማግለታት ክዝምሩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

10 እቶም ኣብቲ ግርማ ዝመልኦ ሰማያዊ ቦትኦም ዘለዉ 144,000 በቶም 24 ሽማግለታት ኢዮም ተመሲሎም: ስለዚ እቶም 144,000 “ኣብ ቅድሚ” እቶም ሽማግለታት ክዝምሩ ዝኽእሉ ድኣ ብኸመይ ኢዮም፧ ኣብ መጀመርታ ናይ መዓልቲ ጐይታ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱ ከም መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ተንሲኦም ኢዮም። በዚ ኸምዚ: እቶም ዝሰዓሩ እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ሕጂ ኣብ ሰማይ ምስቲ ናይቶም 24 ክፍሊ ክህነት ዝዀኑ ሽማግለታት ዝመሳሰል ዕዮ ብምሳልያዊ መገዲ ይፍጽሙ ኣለዉ። ኣብቲ ናይታ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ትርኢት እቱዋት ኢዮም። (1 ተሰሎንቄ 4:15, 16፣ 1 ዜና መዋእል 24:1-18፣ ራእይ 4:4፣ 6:11) ስለዚ እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ናይቶም 144,000 ኣብ ቅድሚ እቶም ተንሲኦም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኣሕዋቶም ወይ ንሳቶም እናርኣይዎም ነዚ ሓድሽ መዝሙር ይዝምሩ ኣለዉ።

11. እቶም ቅቡኣት ሰዓርቲ 24 ሽማግለታት ከምኡውን 144,000 ተባሂሎም ዝጽውዑ ስለምንታይ ኢዮም፧

11 ኣብዚ ነጥቢ እዚ: እዞም ቅቡኣት ሰዓርቲ ከም ምሳልያውያን 24 ሽማግለታት ከምኡውን 144,000 ተገሊጾም ዘለዉ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኢልና ክንሓትትውን ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ድማ መጽሓፍ ራእይ ነዞም ጕጅለ እዚኣቶም ብኽልተ እተፈላለየ መልክዕ ገይሩ ስለ ዝርእዮም ኢዩ። እቶም 24 ሽማግለታት ኵሉ ግዜ ኣብቲ ዝለዓለ ቦትኦም ኣብ ዙርያ ዝፋን የሆዋ ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ ሰማያት ኢዮም ዝርኣዩ። ገና ሒደት ተረፍ ኣብ ምድሪ እኳ እንተለዉ: ነቶም 144,000 ብምሉኦም ኣብ ሰማያዊ ቦትኦም ኢዮም ዘመልክቱ። (ራእይ 4:4, 10፣ 5:5-14፣ 7:11-13፣ 11:16-18) ይኹን እምበር: ራእይ ምዕራፍ 7 ኣብዞም ካብ ደቂ ሰብ ዝመጹ 144,000 ተተኵር: ከምኡውን የሆዋ ንምሉእ ቍጽሪ ናይዞም መንፈሳውያን እስራኤል በብውልቂ ንምሕታምን ነቶም ማእለያ ዘይብሎም ዓቢ ጭፍራ ንምድሓንን ዘለዎ ዕላማ ተጕልሕ። ራእይ ምዕራፍ 14 ብምሉኦም እቶም ክፍሊ ናይታ መንግስቲ ዝዀኑ 144,000 ሰዓርቲ: ኣብ ደብረ ጽዮን ምስቲ ገንሸል ክእከቡ ከም ዝዀኑ ዘረጋግጽ ስእሊ ተቕርብ። ቀጺልና ክንርእዮ ከም ዘሎና: ካብቶም 144,000 ንምዃን ዘድሊ ብቕዓታት እውን ተገሊጹ ኣሎ። d

ሰዓብቲ ናይቲ ገንሸል

12. (ሀ) ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም 144,000 ዝሃቦ መግለጺ ብኸመይ ኢዩ ዝቐጸሎ፧ (ለ) እቶም 144,000 ከም ደናግል ዝቝጸሩ በየናይ መገዲ ኢዮም፧

12 ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም “ካብ ምድሪ እተዐደጉ” 144,000 ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “እዚኣቶም ደናግል እዮም እሞ: ምስ ኣንስቲ ኣይረኸሱን። ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ: ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም። ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዜብሎም እዮም።” (ራእይ 14:4, 5) እቶም 144,000 “ደናግል እዮም” ተባሂሉሎም ምህላዉ: ኣባላት ናይዚ ክፍሊ እዚ ግድነት ዘይተመርዓዉ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ሰማያዊ ጽውዓ ዝነበሮም ክርስትያናት: ዘይምምርዓው ረብሓ እኳ እንተነበሮ: ኣብ ገለ ገለ ኵነታት መርዓ ከም ዝምረጽ ጸሓፈሎም። (1 ቈረንቶስ 7:1, 2, 36, 37) ነዚ ክፍሊ እዚ ፍሉይ ዝገብሮ መንፈሳዊ ድንግልና ኢዩ። ምስ ዓለማዊ ፖለቲካን ምስ ሓሶት ሃይማኖትን ብመንፈሳዊ መገዲ ካብ ምዝማው ርሒቖም ኢዮም። (ያእቆብ 4:4፣ ራእይ 17:5) መርዓት ክርስቶስ ክዀኑ ከም እተሓጽዩ መጠን ‘ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎም’ ኰይኖም ንገዛእ ርእሶም ብንጽህና ኢዮም ሒዞማ።—ፊልጲ 2:15

13. እቶም 144,000 መርዓት የሱስ ክርስቶስ ክዀኑ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: ‘ነቲ ገንሸል ናብ ዝኸዶ ዘበለ ዝስዕብዎኸ’ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧

13 ብተወሳኺ “ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን።” በዚ ልክዕ ከምቲ ንጉሶም የሱስ ክርስቶስ ኢዮም። የሱስ ከም ፍጹም ሰብ መጠን “ሓጢኣት ዘይገበረ: ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ” ኢዩ ነይሩ። (1 ጴጥሮስ 2:21, 22) እዞም 144,000 መንቅብ ዘይብሎምን ሓቀኛታትን ብምዃኖም: ነቲ ናይ የሆዋ ዓቢ ሊቀ ኻህናት ከም ንጽህቲ መርዓት ተዳልዮምሉ ኣለዉ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዝነበሮም ሰባት ክስዕብዎ ጸውዖም። (ማርቆስ 8:34፣ 10:21፣ ዮሃንስ 1:43) እቶም ምላሽ ዝሃቡ ኣነባብርኡ ቀድሑ: ትምህርትታቱ ኸኣ ተኣዘዙ። በዚ ኸምዚ: ‘እቲ ገንሸል’ ኣብ ግዜ ምድራዊ ህይወቶም ኣብዚ ናይ ሰይጣን ዓለም ክመርሖም ከሎ “ናብ ዚኸዶ ዘበለ” ይስዕብዎ።

14. (ሀ) እቶም 144,000 “ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት” ክዀኑ ዝኸኣሉ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧ (ለ) እቶም ዓቢ ጭፍራ እውን በዅራት ዝዀኑ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

14 እዞም 144,000 “ካብ ምድሪ እተዐደጉ:” “ካብ ደቂ ኣዳም እተዓደጉ” ኢዮም። ከም ደቂ ኣምላኽ ፍሉይ ውልድነት ረኺቦም ኢዮም: ድሕሪ ትንሳኤኦም ድማ ስጋን ደምን ዝለበሱ ተራ ሰብ ኣይክዀኑን ኢዮም። ኣብ ቍጽሪ 4 ተጠቒሱ ከም ዘሎ “ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት” ክዀኑ ኢዮም። ሓቂ ኢዩ ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን የሱስ “በዅሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ: ካብ ምዉታት ተንስኤ።” (1 ቈረንቶስ 15:20, 23) እቶም 144,000 ግን ካብቲ ዘይፍጹም ወድሰብ ብመስዋእቲ የሱስ እተዓደጉ ‘በዅራት’ ኢዮም። (ያእቆብ 1:18) ይኹን እምበር: ምእካብ ናይቶም ካብ ወድሰብ ዝውሰዱ ዘርኢ ኣብኦም ኣይውዳእን ኢዩ። መጽሓፍ ራእይ ድሮ ብዛዕባ ምእካብ ናይቶም ዓው ብዝበለ ድምጺ “ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ” ዝብሉ ማእለያ ዘይብሎም ዓቢ ጭፍራ ኣመልኪታ ኢያ። እዞም ዓቢ ጭፍራ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ክድሕኑ ኢዮም: በቲ “ዔላታት ማይ ህይወት” እናተሓደሱ ምስ ከዱ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኣብ ሰብኣዊ ፍጽምና ክበጽሑ ኢዮም። ድሕሪ እቲ ዓቢ ጸበባ ቍሩብ ጸኒሑ ሃደስ ጥራዩ ክኸውን: ዘይቝጸሩ ሚልዮናት ካልኦት ሰባት ከኣ ክትንስኡ ከምኡውን ካብቲ ማይ እቲ ክሰትዩ ኣጋጣሚ ክረኽቡ ኢዮም። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ እቶም ዓቢ ጭፍራ በዅራት ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኢዮም ክንብሎም ልክዕ ኢዩ: ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ተስፋ ብምግባር: ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ዘጻዕደዉ’ ናይ መጀመርታ ንሳቶም ኢዮም።—ራእይ 7:9, 10, 14, 17፣ 20:12, 13

15. ኣብ መንጎ እዞም ሰለስተ እተፈላለዩ በዅራትን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝበዓሉ ዝነበሩ በዓላትን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧

15 እዞም ሰለስተ በዅራት (የሱስ ክርስቶስ: እቶም 144,000: ከምኡውን እቶም ዓቢ ጭፍራ) ምስቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ዝበዓል ዝነበረ በዓላት ዘገርም ምምስሳል ኣሎዎም። ኣብታ በዓል ዘይበዅዐ ቅጫ ዝገብሩላ ዝነበሩ: 16 ኒሳን: ካብቲ ዓጺድ ስገም እቲ በዅሪ እንዳእቲ ንየሆዋ ይቐርብ ነበረ። (ዘሌዋውያን 23:6-14) 16 ኒሳን ከኣ እታ የሱስ ካብ ምዉታት ዝተንስኣላ መዓልቲ ኢያ ነይራ። ካብ 16 ኒሳን ኣብ መበል 50 መዓልቲ: ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ እስራኤላውያን ናይቲ በዅሪ ዝኣተወ ስርናዮም በዓል ዓጺድ የብዕሉ ነበሩ። (ዘጸኣት 23:16፣ ዘሌዋውያን 23:15, 16) እዚ በዓል እዚ ጴንጠቆስጠ (ካብታ “መበል ሓምሳ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸ) ተባህለ: ብጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኸኣ እቶም ቀዳሞት ኣባላት ናይቶም 144,000 ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብኡ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ሻብዐይቲ ወርሒ ብምሉኡ እቲ ምህርቲ ምስ ተኣከበ በዓል ዳስ የብዕሉ ነበሩ: ኣብታ ሰሙን እቲኣ እስራኤላውያን ኣብቲ ብጨነፍር ስየን ካልእ ነገራትን እተሰርሐ ዳሳት ኰይኖም ናይ ሓጐስ ምስጋና ዘሕልፉሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 23:33-43) ብተመሳሳሊ እቶም ክፍሊ ናይቲ ዓቢ ምእካብ ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ “ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም” ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኰይኖም ምስጋንኦም ይህቡ ኣለዉ።—ራእይ 7:9

ነቲ ናይ ዘለኣለም ብስራት ምእዋጅ

16, 17. (ሀ) ዮሃንስ ኣበይ ኰይኑ ዝዝምቢ መልኣኽ ኢዩ ዝርኢ: እቲ መልኣኽከ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝእውጅ ዘሎ፧ (ለ) ኣብቲ ዕዮ ስብከት ናይታ መንግስቲ እቱዋት ዝዀኑ መን ኢዮም: ነዚ ዘመልክትከ እንታይ ተመክሮታት ኢዩ፧

16 ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል [“ብስራት:” NW] ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ። ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፤ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ: ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ: በለ።” (ራእይ 14:6, 7) እቲ መልኣኽ ኣብቲ ኣዕዋፍ ዝነፍራሉ “ኣብ ማእከል ሰማይ” ኢዩ ዝዝምቢ ዘሎ። (ምስ ራእይ 19:17 ኣረኣእዮ።) ስለዚ ድምጹ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስማዕ ይኽእል ኢዩ። እዚ መልኣኽ ዝእውጆ ዘሎ ዓለምለኻዊ ኣዋጅስ ካብ ዝዀነ ይኹን ናይ ቴሌቪዥን ዜና ክበጽሖ ዝኽእል ስፍሓት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝዓበየ ኰን ኢዩ!

17 ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ኣራዊትን ምስሉን ዘይኰነስ: ነቲ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘሎ ምሳልያዊ ኣራዊት ኣዝዩ ዝሓየለ የሆዋ ክፈርህ ኢዩ ተማዒዱ ዘሎ። ከመይ ደኣ: ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ የሆዋ ኢዩ: ሕጂ ኸኣ ንምድሪ ዝፈርደሉ ግዜ በጺሑ ኢዩ! (ምስ ዘፍጥረት 1:1፣ ራእይ 11:18 ኣረኣእዮ።) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ብዛዕባ እዚ ግዜና “እዚ ወንጌል [“ብስራት:” NW] መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:14) ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ነዚ መዝነት እዚ ትፍጽሞ ኣላ። (1 ቈረንቶስ 9:16፣ ኤፌሶን 6:15) መጽሓፍ ራእይ ኣብዚ ናይ ስብከት ዕዮ እዚ እቶም ዘይርኣዩ መላእኽቲ እውን እቱዋት ምዃኖም ገሊጻ ኢያ። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገዛ ናይ ሓደ መንፈሳዊ ሓገዝ ዝብህግን ንኽረኽቦ ዝጽልን እተጨነቐ ሰብ ንኽኸይድ: ኣየ ክንደይ ሳዕ ኰን ኢዮም መላእኽቲ ዝመርሕዎ!

18. ብመሰረት እቲ ኣብ ማእከል ሰማይ ዝዝምቢ መልኣኽ እተዛረቦ ናይ እንታይ ስዓት ኢዩ በጺሑ: መንከ ኢዮም ተወሳኺ ኣዋጃት ከስምዑ ዘሎዎም፧

18 ከምቲ እቲ ኣብ ማእከል ሰማይ ዝዝምቢ መልኣኽ ዝኣወጆ: እታ ናይ ፍርዲ ሰዓት በጺሓ ኢያ። ኣምላኽ እንታይ ፍርዲ ኢዩ ሕጂ ዘውርድ፧ ሕጂ በቲ እቲ ካልኣይን ሳልሳይን ራብዓይን ሓምሻይን መልኣኽ ዝንገር ኣዋጃት ኣእዛን ጸላዕላዕ ክብለን ኢዩ።—ኤርምያስ 19:3

[እግረ-ጽሑፋት]

a 1 ቈረንቶስ 4:8 ከም ዝገልጾ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክሳዕ ዘለዉ ነገስታት ኰይኖም ኣይገዝኡን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ብመሰረት እቲ ኣብ ራእይ 14:3, 6, 12, 13 ዘሎ ጥቕስታት ክሳዕ መወዳእታ ህይወቶም ኣብ ምድሪ ተዓጊሶም ብስራት ቃል ኣምላኽ እናነገሩ: ኣብ ምዝማር ናይቲ ሓድሽ መዝሙር ይሳተፉ ኣለዉ።

b ኣብ ካልእ ትርኢታት ናይ እብራይስጢ ስም ስለ እተዘውተረ: እዚ ደገፍ ዘለዎ ኢዩ፣ የሱስ “ኣባዶን” (ትርጕሙ መጥፍኢ) ዝብል ናይ እብራይስጢ ስም ተዋሂብዎ ኣሎ: ኣብቲ “ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዝብሀል ቦታ” ኸኣ ፍርዲ ይፍጽም።—ራእይ 9:11፣ 16:16

c እታ ጥቕሲ “ከም ሓድሽ መዝሙር” ትብል: ምኽንያቱ እቲ መዝሙር ኣብ ግዜ ጥንቲ ኣብቲ ትንቢታዊ ቃል ተመዝጊቡ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ እኳ ነዚ መዝሙር እዚ ክዝምሮ ዝበቕዐ ኣይነበረን። ሕጂ ምስ ምቛም መንግስቲ ኣምላኽን ምስ ምትንሳእ ናይቶም ቅዱሳትን እቲ ክውን ነገራት ንመፈጸምታ ትንቢታት ተጋህደ: እቲ መዝሙር ብዓቢ ግርማ ክዝመር ከኣ ግዜኡ ነበረ።

d እቲ ኵነታት ምስቲ ንስድራቤቱ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ መግቢ ዘዳሉ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45) እቲ ባርያ ከም ኣካል መጠን ነቲ መግቢ ክቕርብ ሓላፍነት ኣለዎ: እቶም ስድራቤት ማለት እቶም ናይቲ ኣካል ኣባላት በብውልቂ ግን ካብቲ መንፈሳዊ ምድላዋት ብምክፋሎም ይዕንገሉ። ሓደ ጕጅለ ኢዮም: ግናኸ ብእተፈላለየ መገዲ ማለት ብሓባርን በብውልቅን ተገሊጾም ኣለዉ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 202, 203 ዘሎ ስእልታት]

144,000

24 ሽማግለታት

ናይቲ ገንሸል: ክርስቶስ የሱስ: መዋርስቲ ብኽልተ መገዲ ክርኣዩ ኸለዉ