ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ”

“ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ”

ምዕራፍ 12

“ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ”

ፊላደልፍያ

1. ሻድሸይቲ መልእኽቲ የሱስ ናብ ኣበየነይቲ ከተማ ዝነበረት ጉባኤ ኢያ እተላእከት: ናይታ ከተማ ስምከ ትርጕሙ እንታይ ኢዩ፧

 ሕውነታዊ ምፍታው—ከመይ ዝበለ ዝበሃግ ባህሪ ኰን ኢዩ! የሱስ ነታ ሻድሸይቲ መልእኽቱ ናብታ ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበረት ጉባኤ ክልእካ ኸሎ እዚ ኣብ ሓሳቡ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ምኽንያቱ ትርጕም ናይቲ ስም “ሕውነታዊ ምፍታው” ዝብል ኢዩ። እቲ ዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ዮሃንስ ነቲ ቅድሚ 60 ዓመት ጴጥሮስ ምስ የሱስ ክዛረብ ከሎ ሰለስተ ግዜ ደጋጊሙ ጴጥሮስ ንጐይታኡ ከም ዝፈትዎ ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ ይዝክሮ ኢዩ። (ዮሃንስ 21:15-17) እቶም ኣብ ጉባኤ ፊላደልፊያ ዝነበሩ ክርስትያናት ብወገኖም ንሓድሕዶም ሕውነታዊ ምፍታው የርእዩ ኣለዉዶ፧ እወ: ከምኡ ኢዩ ዝመስል!

2. ፊላደልፍያ እንታይ ዓይነት ከተማ ነበረት: ኣብኡኸ እንታይ ዓይነት ጉባኤ ነበረት: የሱስከ ንመልኣኽ ናይታ ጉባኤ እንታይ በሎ፧

2 ብደቡባዊ ምብራቕ ሳርዴስ 48 ኪሎ ሜተር ርሒቓ (ኣብ ቦታ ናይ ኣላስሒር ዘመናዊት ከተማ ቱርኪ): እታ ብግዜ ዮሃንስ ብልጽግቲ ዝነበረት ከተማ ፊላደልፍያ ትርከብ። እቲ ካብ ኵሉ ክስትብሃለሉ ዝግባእ ግን ብልጽግና ናይታ ኣብኡ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኢዩ። ነቲ ምናልባት ብኸተማ ሳርዴስ ኣቢሉ ዝመጾም ኣገልጋሊ: አየ ብኽንደይ ሓጐስ ኰን ተቐቢሎምዎ ክዀኑ ኣለዎም! እቲ ሒዙሎም ዝመጸ መልእኽቲ ንዕኦም ዘበራትዕ ምኽሪ ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። ኣቐዲማ ግን ብዛዕባ ስልጣን ናይቲ ክቡር ሰዳዲኣ ኢያ ትዛረብ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ናብ መልኣኽ ማሕበር [“ጉባኤ:” NW] ፊላደልፍያውን ጽሐፍ፤ እቲ ቅዱስ: ሓቀኛ: መርሖ ዳዊት ዘለዎ: ንሱ ምስ ከፈተ: ሓደ እኳ ዘይዐጹ: ንሱ ምስ ዐጸወ ኸአ: ሓደ እኳ ዘይከፍት: ከምዚ ይብል አሎ።”ራእይ 3:7

3. የሱስ “ቅዱስ” ክበሃል ብቑዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: “ሓቀኛ” ክበሃል ዝኽእልከ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

3 ጴጥሮስ ንየሱስ ክርስቶስ “ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: . . . ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ [“ናይ ኣምላኽ ቅዱስ:” NW ] ምዃንካ አሚንናን ፈሊጥናን አሎና” ክብሎ ከሎ: ዮሃንስ ይሰምዕ ነበረ። (ዮሃንስ 6:68, 69) የሆዋ ባዕሉ ምንጪ ናይ ቅድስና ስለ ዝዀነ: እቲ ሓደ ውዱውን “ቅዱስ” ኢዩ። (ራእይ 4:8) የሱስ “ሓቀኛ” እውን ኢዩ። እታ ኣብዚ ኣትያ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል (···ኖስ): ንሓቅነት ኢያ ተመልክት። በዚ ኸምዚ ኸኣ የሱስ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ሓቂ ብርሃንን ናይ ሓቂ እንጌራን ኢዩ። (ዮሃንስ 1:9፣ 6:32) እቲ ናይ ሓቂ ወይኒ እውን ኢዩ። (ዮሃንስ 15:1) የሱስ ትውክልቲ ዝግበሮ ብምዃኑውን ሓቀኛ ኢዩ። ኵሉ ግዜ ሓቂ ኢዩ ዝዛረብ። (ዮሃንስ 8:14, 17, 26 ተመልከት።) እዚ ወዲ ኣምላኽ እዚ ከም ንጉስን ፈራድን ኰይኑ ኸገልግል ብርግጽ ብቑዕ ኢዩ።—ራእይ 19:11, 16

“መርሖ ዳዊት”

4, 5. “መርሖ ዳዊት” ምስ ኣየናይ ኪዳን ኢዩ ዝተሓሓዝ፧

4 የሱስ “መርሖ ዳዊት” ኣለዎ። ብእኡ ገይሩ ‘ምስ ከፈተ: ሓደ እኳ ኣይዓጹን: ምስ ዓጸወ ኸአ: ሓደ እኳ ኣይከፍትን’። እዚ “መርሖ ዳዊት” እዚኸ እንታይ ኢዩ፧

5 የሆዋ ምስ ዳዊት ንጉስ እስራኤል ኢዩ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ ኪዳን ዝኣተወ። (መዝሙር 89:1-4, 34-37) ቤት ዳዊት ድማ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዝፋን የሆዋ ኰይኖም ካብ 1070 ክሳዕ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ገዝኡ: ሽዑ ግን ናብ እከይ ስለ እተመልሱ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብታ መንግስቲ እቲኣ ወረደ። በዚ ኸምዚ ኸኣ የሆዋ ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 21:27 ዘሎ “[ንምድራዊት የሩሳሌም] ጥፍአት: ጥፍኣት: ጥፍኣት ካባይ ኪመጻ እዩ። እቲ ኣነ ንእኡ [በትረ-መንግስቲ ካብ መስመር ዘርኢ ዳዊት] ዝህቦ በዓል ፍርዲ [“ሕጋዊ መሰል ዘለዎ:” NW] ኽሳዕ ዚመጽእ: እዚ ኸአ ኣይኪነብርን እዩ” ዝብል ትንቢቱ ክፍጽም ጀመረ።

6, 7. እቲ “ሕጋዊ መሰል ዘለዎ” መዓስን ብኸመይን ኢዩ ዝቕልቀል፧

6 እዚ “ሕጋዊ መሰል ዘለዎ” እዚ መዓስን ከመይ ኢሉን ኢዩ ዝቕልቀል፧ በትረ-መንግስቲ ዳዊት ዝወሃቦኸ ብኸመይ ኢዩ፧

7 600 ዓመታት ጸኒሑ: ሓንቲ ካብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ዝዀነት ማርያም እትበሃል እብራዊት ድንግል ብመንፈስ ቅዱስ ጠነሰት። ማርያም የሱስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወዲ ክትወልድ ከም ዝዀነት ክነግራ ኣምላኽ ንገብርኤል መልኣኽ ልኣኾ። ወሲኹ ኸኣ ገብርኤል ከምዚ በላ:- “ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ: እግዚአብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።”—ሉቃስ 1:31-33

8. የሱስ ዝፋን ዳዊት ንኽወርስ ብቑዕ ምዃኑ ዘረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧

8 የሱስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ምስ ተጠምቀ: ከምኡውን ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብአ ካብ ዘርኢ ዳዊት እተሸመ ንጉስ ኰነ። ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ኣብ ምስባኽ ኣብነታዊ ቅንኢ ኣርእዩ ኢዩ: ነቶም ደቀ መዛሙርቱ እውን ከምኡ ገይሮም ክሰብኩ ለኣኾም። (ማቴዎስ 4:23፣ 10:7, 11) የሱስ: ኣብ ዕንጸይቲ ተሳቕዩ ክሳዕ ዝመውት ርእሱ ኣትሓተ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ዝፋን ዳዊት ንኽወርስ ምሉእ ብምሉእ ብቑዕ ምዃኑ ኣረጋገጸ። የሆዋ ንየሱስ ናብ ዘይመውት መንፈሳዊ ህይወት ኣተንስኦ: ኣብ ሰማይ ኣብ የማኑ ድማ ልዕል ኣበሎ። ኣብኡ ኸኣ ንዅሉ መሰላት ንግስና ዳዊት ወረሰ። ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ኸኣ ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ [“እናሰዓረ ክኸይድ:” NW]’ ዘለዎ መሰል ክጥቀመሉ ኢዩ።—መዝሙር 110:1, 2፣ ፊልጲ 2:8, 9፣ እብራውያን 10:13, 14

9. የሱስ መርሖ ዳዊት ገይሩ ዝኸፍትን ዝዓጹን ብኸመይ ኢዩ፧

9 ክሳዕ ሽዑ ድማ የሱስ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተኣሳሰረ ኣጋጣሚታትን መሰላትን ንምኽፋት መርሖ ዳዊት ክጥቀም ኢዩ። ሕጂ የሆዋ ብየሱስ ገይሩ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ቅቡኣት ክርስትያናት “ኻብ ስልጣን ጸልማት” ኣውጺኡ ‘ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱ’ ከእትዎም ኢዩ። (ቈሎሴ 1:13, 14) እቲ መርሖ ንዝዀነ ይኹን ዘይእሙን ኰይኑ እተረኽበ ካብዚ መሰል እዚ ንምኽልካል እውን ከገልግል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:12, 13) እዚ ነባሪ ወራሲ ናይ መንግስቲ ዳዊት: ናይ የሆዋ ደገፍ ስለ ዘለዎ ንኸምዚ ዝበለ ዕዮታት ንኽፍጽም ዝኽልክሎ ፍጡር የልቦን።—ምስ ማቴዎስ 28:18-20 ኣረኣእዮ።

10. የሱስ ነታ ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበረት ጉባኤ እንታይ ምትብባዕ ኢዩ ዝሃባ፧

10 እተን የሱስ ነቶም ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበሩ ክርስትያናት እተዛረቦም ቃላት: ካብ ሓደ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ዘለዎ ስለ ዝመጻ: ዝያዳ ኣጸናኒዐንኦም ክዀና ኣለወን። ከምዚ ኢሉ ከኣ ይንእዶም:- “ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ: ንቓለይ ሐሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሐድካዮን እሞ: እንሆ: ሓደ እኳ ኺዐጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ አሎኹ።” (ራእይ 3:8) እታ ጉባኤ ንጥፍቲ ኢያ ነይራ: ኣብ ቅድሚኣ ኸኣ ደገ ተኸፊቱላ ነበረ—እዚ ኸኣ ደገ ናይ ኣገልግሎት ከም ዝዀነ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 16:9፣ 2 ቈረንቶስ 2:12 ኣረኣእዮ።) ስለዚ የሱስ እታ ጉባኤ ነቲ ናይ ምስባኽ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀመሉ የተባብዓ። ንዅሉ እናተዓገሱ: ብረዲኤት መንፈስ ኣምላኽ ኣብቲ ኣገልግሎት የሆዋ ቀጻሊ ‘ግብሪ’ ክገብሩ ዝኣክል ሓይሊ ከም ዘለዎም ኣርእዮም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 12:10፣ ዘካርያስ 4:6) ንትእዛዛት የሱስ ይሕልዉ ነበሩ: ንክርስቶስ ከኣ ብቓል ይዅን ብግብሪ ኣይከሓድዎን።

‘ተደፊኦም ክሰግዱልካ ኢዮም’

11. የሱስ ነቶም ክርስትያናት እተመባጽዓሎም እንታይ ኢዩ: እዚኸ ብኸመይ ተፈጸመ፧

11 በዚ ኸኣ የሱስ ፍረ ክእክቡ ከም ዝዀኑ ይመባጽዓሎም:- “እንሆ: ካብቶም፤ ኣይሁድ ኢና: ዚብሉ ማሕበር ሰይጣን: ግናኸ ይሕስዉ አለዉ እምበር: ኣይሁድሲ ዘይኰኑ: እህበካ አሎኹ። እንሆ: ንሳቶም ከም ዚመጹን ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዚፈልጡን: ክገብሮም እየ።” (ራእይ 3:9) ምናልባት ከምቲ ኣብ ስሚርና ዝነበረ: እዛ ጉባኤ እዚኣ ኸኣ በቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣይሁድ ጸገም ነይርዋ ክኸውን ይኽእል። የሱስ: ነዚኣቶም “ማሕበር ሰይጣን” ኢሉ ይጽውዖም። ይኹን እምበር: ገለ ኻብቶም ኣይሁድ እቶም ክርስትያናት ብዛዕባ የሱስ ዝሰብክዎ ዝነበሩ ሓቂ ከም ዝዀነ ክግንዘብዎ ጀሚሮም ኢዮም። እቲ ‘ምስጋዶም’ ከኣ ምናልባት ከምቲ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:24, 25 ገሊጽዎ ዘሎ ኣገባብ ኰይኑ: ነቲ የሱስ ህይወቱውን ከይተረፈ ምእንቲ ደቀ መዛሙርቱ ብምሃብ ዘርኣዮ ፍቕሪ ምሉእ ብምሉእ ብምምሳው ናይ ሓቂ ጣዕሳ ኣርእዮም ክርስትያናት ይዀኑ ማለት ኢዩ።—ዮሃንስ 15:12, 13

12. ኣባላት ናይታ ኣብ ፊላደልፊያ ዝነበረት ቤት ጸሎት ኣይሁድ: ገለ ካብኣቶም ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ክሰግዱሎም’ ምዃኖም ምስ ሰምዑ ሰንቢዶም ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ኣባላት ናይታ ኣብ ፊላደልፊያ ዝነበረት ቤት ጸሎት ኣይሁድ: ገለ ካብኣቶም ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ክርስትያናት ክሰግዱሎም ምዃኖም ምስ ሰምዑ ሰንቢዶም ክዀኑ ኣለዎም። ኣብታ ጉባኤ ብዙሓት ኣይሁድ ዘይኰኑ ከም ዘለዉ ብምርኣዮም ከኣ ኣንጻር ናይዚ ክኸውን ኢዮም ዝጽበዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኢሳይያስ “[ኣይሁድ ዘይኰኑ] ነገስታት ከኣ መዕበይትኺ [ንህዝቢ እስራኤል]: ንግስትታቶም ድማ መጕዚታትኪ ኪዀኑ: ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኪሰግዱልኪ . . . እዮም” ኢሉ ተነብዩ ስለ ዝነበረ ኢዩ። (ኢሳይያስ 49:23፣ 45:14፣ 60:14) ብተመሳሳሊ ኸኣ ዘካርያስ “በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ [ኣይሁድ ዘይኰኑ] ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም: እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ክብሉ ምዃኖም ብመንፈስ ተደሪኹ ጽሒፉ ነበረ። (ዘካርያስ 8:23) እወ: ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ንኣይሁዳውያን ክሰግዱሎም ድኣ ነበሮም እምበር: ኣይሁድ ክሰግዱ ኣይነበሮምን!

13. እቶም ንጥንታዊት እስራኤል እተዋህቡ ትንቢታት ኣብኦም ዝፍጸም ኣይሁድ መን ኢዮም፧

13 እዞም ትንቢታት እዚኣቶም ነቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ እተዋህበሉ እዋን ከኣ ስጋዊት እስራኤል ከምዚ ዝበለ ክቡር ቦታ ነበራ። ህዝቢ ኣይሁድ ነቲ መሲህ ምቕባል ምስ ኣበዩዎ ግና የሆዋ ደርበዮም። (ማቴዎስ 15:3-9፣ 21:42, 43፣ ሉቃስ 12:32፣ ዮሃንስ 1:10, 11) ብጴንጤቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ድማ ንህዝቢ ኣይሁድ ገዲፉ ኣብ ክንድኦም ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ናይ ሓቂ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ሓረየ። ኣባላታ ኸኣ ናይ ሓቂ ግዝረት ልቢ ዘለዎም መንፈሳውያን ኣይሁድ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4, 41, 42፣ ሮሜ 2:28, 29፣ ገላትያ 6:16) ብድሕሪኡ ኸኣ ስጋውያን ኣይሁድ በብውልቆም እንደገና ስምረት የሆዋ ክረኽቡ ዝኽእሉ ዝነበሩ: ንየሱስ ከም መሲህ ምስ ዝቕበልዎ ጥራይ ኢዩ። (ማቴዎስ 23:37-39) እዚ ኣብ ገሊኦም ነበርቲ ፊላደልፊያ መፈጸምታ ክረክብ ጀሚሩ ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ። a

14. ኢሳይያስ 49:23 ከምኡውን ዘካርያስ 8:23 ከመይ ኢለን ኢየን ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ትርጕም ዝመልኦ መፈጸምታ ዝረኸባ፧

14 ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ከም እኒ ኢሳይያስ 49:23 ከምኡውን ዘካርያስ 8:23 ዝኣመሰላ ትንቢታት ትርጕም ዝመልኦ መፈጸምታ ረኺበን ኢየን። ከም ውጽኢት ስብከት ናይቲ ክፍሊ ዮሃንስ: ማእለያ ዘይብሎም ሰባት በቲ ኽፉት ደገ ኣቢሎም ኣብ ኣገልግሎት ናይታ መንግስቲ ኣትዮም ኢዮም። b መብዛሕትኦም ከኣ ካብተን ናይ መንፈስ እስራኤል ኢና ዝብላ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ዝመጹ ኢዮም። (ምስ ሮሜ 9:6 ኣረኣእዮ።) እዚኣቶም ከም ዓቢ ጭፍራ መጠን: ኣብቲ መስዋእታዊ ደም የሱስ እምነት ብምርኣይ ክዳውንቶም ሓጺቦም የጻዕድዉ። (ራእይ 7:9, 10, 14) ነቲ መንግስታዊ ግዝኣት ክርስቶስ እናተኣዘዙ በረኸታት ናይታ መንግስቲ ኣብዛ ምድሪ ክወርሱ ተስፋ ይገብሩ። ‘ኣምላኽ ምሳታቶም ከም ዝዀነ’ ስለ ዝሰምዑ ኸኣ: ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ቀሪቦም ‘ይሰግዱ።’ ነዞም ኣብ ዓለምለኻዊ ማሕበር ኣሕዋት ዝሓብርዎም ቅቡኣት ክርስትያናት ከኣ የገልግልዎም።—ማቴዎስ 25:34-40፣ 1 ጴጥሮስ 5:9

“ሰዓት ፈተና”

15. (ሀ) የሱስ ነቶም ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኢዩ እተመባጽዓሎም: እንታይ ንምግባርከ ኢዮም እተተባብዑ፧ (ለ) እቶም ክርስትያናት እንታይ ‘ኣኽሊል’ ክቕበሉ ኢዮም ዝጽበዩ ዝነበሩ፧

15 ቀጺሉውን የሱስ ከምዚ ይብል:- “ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ: ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ። ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ: ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ።” (ራእይ 3:10, 11) እቶም ብግዜ ዮሃንስ ዝነበሩ ክርስትያናት ክሳዕ መዓልቲ ጐይታ (ብ1914 ዝጀመረት) ብህይወት እኳ እንተ ዘይጸንሑ: እቲ የሱስ ክመጽእ ምዃኑ ዝነበሮም ምትእምማን ስብከቶም ክቕጽሉ ሓይሊ ሂብዎም ኢዩ። (ራእይ 1:10፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:2) “ኣኽሊል” ወይ ሽልማት ናይ ዘለኣለም ህይወት: ኣብ ሰማይ ይጽበዮም ነበረ። (ያእቆብ 1:12፣ ራእይ 11:18) ክሳዕ ሞት እሙናት እንተድኣ ዀይኖም: ሓደ እኳ ይኹን ነዚ ሽልማት እዚ ክዝርፎም ዝኽእል የልቦን።—ራእይ 2:10

16, 17. (ሀ) እታ ‘ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነበሩ ኽትፍትኖም እትመጽእ ሰዓት ፈተና’ እንታይ ኢያ፧ (ለ) ኣብ መጀመርታ ናይታ “ሰዓት ፈተና” ኵነታት ናይቶም ቅቡኣት ከመይ ነበረ፧

16 ይኹን እምበር እታ “ሰዓት ፈተና” እንታይ ኢያ፧ እቶም ኣብ እስያ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ቀጺሉ ካብ ሃጸይ ሮሜ ዝመጾም ማእለያ ዘይብሉ ብርቱዕ መስጐግቲ ክዋጽኡሉ ነበሮም። c እቲ ዝዓበየ መፈጸምትኡ ግና: እቲ ኣብ መጨረሽታ ብግዜ መዓልቲ ጐይታ ዝመጽእ ናይ ምምማይን ምፍራድን ሰዓት ኢዩ: እዚ ኸኣ ካብ 1918 ንነጀው ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ በጺሑ ኢዩ። ዕላማ ናይቲ ፈተና ኸኣ ሓደ ሰብ ነታ ቈይማ ዘላ መንግስቲ ኣምለኽ ድዩ ወይስ ንናይ ሰይጣን ዓለም ዝድግፍ ንምውሳን ኢዩ። እቲ ፈተና ኸኣ ብተዛማዲ ንሓጺር እዋን ማለት ን“ሰዓት” ኢዩ: ጌና ግን ኣይተወድአን። ክሳዕ ዝውዳእ ድማ ኣብቲ “ሰዓት ፈተና” ንነብር ከም ዘሎና ፈጺምና ክንርስዕ ኣይግባእን።—ሉቃስ 21:34-36

17 ብ1918 እቶም ቅቡኣት ክፍሊ ዮሃንስ ዝዀኑ ክርስትያናት—ከምታ ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበረት ጽንዕቲ ጉባኤ—ነቲ እዛ ሎሚ ዘላ “ማሕበር ሰይጣን” እተምጽኦ ምጽራር ክጋጠሙ ነበሮም። እቶም ናይ መንፈስ ኣይሁድ ኢና ዝብሉ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ህዝበ-ክርስትያን: ንፖሊቲካውያን ገዛእቲ ብተንኰል ጠዋውዮም ነቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዝጸቕጥዎም ገበሩ። ይኹን እምበር እዚኣቶም ‘ንቓል ትዕግስቲ የሱስ ክሕልዉ’ ኣበርቲዖም ጸዓሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ረዲኤት ናይ መንፈስ ቅዱስ ረኺቦም ‘ብሒደት ዓቕሚ’ ድሒኖም በቲ ሕጂ ኣብ ቅድሚኦም እተኸፍተ ደገ ኣቢሎምውን ክኣትዉ ተለዓዓሉ። ብኸመይ ዝበለ መገዲ፧

“ክፉት ደገ”

18. የሱስ ብ1919 እንታይ መዝነት ኢዩ ዝሃበ: እቶም መዝነት እተቐበሉኸ ከምቲ እሙን ኣዛዝ ቤት ህዝቅያስ ዝነበረ ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧

18 ብ1919 የሱስ መብጽዓኡ ብምፍጻም: ነቶም ሒደት ናይ ሓቂ ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ‘እሙንን ኣስተውዓልን ባርያኡ’ ገይሩ ኣፍልጦ ሃበሎም። (ማቴዎስ 24:45-47 NW) እዚአቶም: ከምቲ ኤልያቂም: እቲ እሙን ኣዛዝ ቤት: ብግዜ ንጉስ ህዝቅያስ ዝነበሮ መሰል ኢዮም ረኺቦም። d የሆዋ ብዛዕባ ኤልያቂም ከምዚ በለ:- “መኽፈ[ቲ] ቤት ዳዊት ድማ ኣብ መንኵቡ ኸንብር እየ: ንሱ ይኸፍት: ሓደ ዚዐጹ ኸኣ የልቦን: ንሱ ይዐጹ: ሓደ ዚኸፍት ድማ የልቦን።” ኤልያቂም ከቢድ ሓላፍነታት ናይ ህዝቅያስ ወዲ ንጉስ ዳዊት ተሰኪሙ ነበረ። ብተመሳሳሊ ኸኣ ሎሚ: እዞም ቅቡኣት ክፍሊ ዮሃንስ ረብሓ ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣብ ምድሪ ንምፍጻም ሕድሪ ስለ እተዋህቦም “መኽፈ[ቲ] ቤት ዳዊት” ኣብ መንኵቦም ተነቢሩ ኢዩ ዘሎ። የሆዋ ነገልገልቱ ነዚ መሰል እዚ ምእንቲ ኽፍጽሙ አሐይልዎም ኢዩ: ነቲ ሒደት ዓቕሞም ናብ ብርቱዕ ሓይሊ ክብ ብምባል ከኣ ንዓቢ ዓለምለኻዊ ምስክርነት ዝኣክል ገይርዎ ኢዩ።—ኢሳይያስ 22:20, 22፣ 40:29

19. እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ የሱስ ብ1919 ዝሃቦም ሓላፍነት ብኸመይ ሓዝዎ: ምስ እንታይ ፍረኸ፧

19 ካብ 1919 ንድሓር እቶም ቅቡኣት ተረፍ: ናይ የሱስ ኣርኣያ ብምኽታል ኣብ ኵሉ ወገናት ምድሪ ብስራት መንግስቲ ንምእዋጅ ኣብ ዓቢ ወፈራ ተጸሚዶም ኣለዉ። (ማቴዎስ 4:17፣ ሮሜ 10:18) ፍረ ናይዚ ኸኣ ገለ ኻብቶም ኣባላት ናይዛ ዘመናዊት ማሕበር ሰይጣን ዝዀነት ህዝበ-ክርስትያን ናብዞም ቅቡኣት ተረፍ እዚኣቶም ቀሪቦም ስልጣን ናይቲ ባርያ ኣፍልጦ ብምሃብ ተናሲሖም ‘ሰገዱ’። እዚኣቶምውን ምስቶም ቅድሚኦም ዝጸንሑ ክፍሊ ዮሃንስ ኰይኖም ንየሆዋ ኣገልገሉ። እዚ ኸኣ ቍጽሪ ናይቶም ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ ክሳዕ ዝመልእ ቀጸለ። ድሕርዚ ድማ ‘ካብ ኵሎም ህዝብታት እተአከቡ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW]’ ነቲ እሙን ባርያ ‘ክሰግድሉ’ መጹ። (ራእይ 7:3, 4, 9) እቲ ባርያን እዞም ዓቢ ጭፍራን: ከም ሓደ መጓሰ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ሓቢሮም የገልግሉ ኣለዉ።

20. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍላይ ሎሚ ኣብ እምነቶም ጽኑዓት: ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከኣ ህርኩታት ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧

20 ከምቶም ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ማእሰር ናይ ሓቀኛ ሕውነታዊ ምፍታው ሕቡራት ብምዃን: እዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ናይ ስብከት ዕዮኦም ብህጹጽ ክግበር ከም ዘለዎ ይርድኡ ኢዮም። እቲ ዓቢ ጸበባ ኸኣ ቀልጢፉ ነዛ እክይቲ ዝዀነት ናይ ሰይጣን ዓለም ከጥፍኣ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ስምና ካብቲ ናይ የሆዋ መጽሓፍ ህይወት ምእንቲ ከይፍሓቝ: ነፍሲ ወከፍና ኣብ እምነትና ጽኑዓት: ኣብቲ ኣገልግሎት ኣምላኽውን ህርኩታት ኴንና ንጸንሕ ይግበረና። (ራእይ 7:14) ነዚ ረኺብናዮ ዘሎና ናይ ኣገልግሎት መሰላት ቀጥ ኣቢልና ሒዝና ዓስቢ ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ: ነቲ የሱስ ንጉባኤ ፊላደልፍያ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ኣርዝን ኣቢልና ንርኣዮ።

በረኸታት ናይቶም ሰዓርቲ

21. እዞም ሎሚ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ንቓል ምጽማም የሱስ ዝሕልውዎ ዘለዉ’ ብኸመይ ኢዮም: እንታይ መጻኢ ኢዩኸ ዝጽበዮም ዘሎ፧

21 ሎሚ: እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ‘ንቓል ትዕግስቲ [“ምጽማም:” NW] የሱስ ሓልዮም ኢዮም:’ እዚ ኸኣ ኣብነቱ ስዒቦምን ተጸሚሞምን ኢዮም ማለት ኢዩ። (እብራውያን 12:2, 3፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) በቲ የሱስ ቀጺሉ ንጉባኤ ፊላደልፍያ “ነቲ ዚስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ኽገብሮ እየ: ካብኣ ከቶ ኣይኪወጽእን እዩ” ኢሉ ዝሃቦም ቃል ተተባቢዖም ኢዮም።ራእይ 3:12ሀ

22. (ሀ) ቤት መቕደስ ናይ ኣምላኹ ንየሱስ እንታይ ኢያ፧ (ለ) እቶም ዝሰዓሩ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣዕኑድ ዝዀኑ ከመይ ገይሮም ኢዮም፧

22 ሓደ ሰብ ኣብ ቤት መቕደስ የሆዋ ዓንዲ ክኸውንሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! ኣብ ጥንታዊት የሩሳሌም እታ እትርአ ቤት መቕደስ ሕምብርቲ ናይ ኣምልኾ የሆዋ ኢያ ነይራ። ኣብታ ቤት መቕደስ ከኣ እቲ ሊቀ ኻህን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓንሳእ ኣብ “ቅድስተ ቅዱሳን” ኣትዩ ኣብ ቅድሚ እቲ ንህላዌ የሆዋ ዘመልክት ተኣምራታዊ ብርሃን ኰይኑ ደም እንስሳታት ንመስዋእቲ የቕርብ ነበረ። (እብራውያን 9:1-7) ኣብቲ የሱስ እተጠመቐሉ ግዜ ኸኣ ሓንቲ ኻልእ ቤት መቕደስ ኣብ ህላወ መጸት: እዚ ኸኣ ንየሆዋ ንምምላኽ ዓቢ መንፈሳዊ መቕደስ መሰል ምድላው ኢዩ። እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ናይዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኸኣ ኣብቲ የሱስ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ” ክርአ ኢሉ ዝኣተዎ ኣብ ሰማይ ኢዩ። (እብራውያን 9:24) እቲ ሊቀ ኻህናት የሱስ ኢዩ: ንዅሉ ሓጢኣት ዘልግስ ከኣ ሓደ መስዋእቲ ጥራይ ኢዩ ዘሎ: እዚ ኸኣ እቲ ዝፈሰሰ ደም ናይቲ ፍጹም ሰብ የሱስ ኢዩ። (እብራውያን 7:26, 27፣ 9:25-28፣ 10:1-5, 12-14) እዞም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት እሙናት ክሳዕ ዝዀኑ: ኣብ ምድራዊ ኣጸድ ናይዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ንኡሳን ካህናት ኰይኖም ከገልግሉ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:9) ሓንሳእ ምስ ሰዓሩ ግን: ንሳቶምውን ኣብታ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዮም ከም ዓንዲ ዘይነቓነቑ ደገፍ ናይቲ መቕደስ መሰል ምድላው ናይ ኣምልኾ ኢዮም ዝዀኑ። (እብራውያን 10:19፣ ራእይ 20:6) ‘ካብኣ ዘውጽእ’ ሓደጋውን ኣይረኽቦምን ኢዩ።

23. (ሀ) የሱስ ቀጺሉ ነቶም ዝስዕሩ ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ተስፋ ሃቦም፧ (ለ) ኣብቶም ዝስዕሩ ክርስትያናት ስም የሆዋን ስም እታ ሓዳስ የሩሳሌምን ምጽሓፍ እንታይ ከምጽእ ኢዩ፧

23 ቀጺሉውን የሱስ ከምዚ ይብል:- “ስም ኣምላኸይን ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን: ናይታ ኻብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም: ነቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ።” (ራእይ 3:12ለ) እወ: እዞም ሰዓርቲ እዚኣቶም ስም የሆዋ—ኣምላኾምን ኣምላኽ የሱስን—ክጻሓፎም ኢዩ። እዚ ኸኣ የሆዋን የሱስን ክልተ በበይኖም ዝዀኑ ኣካላት ድኣ’ምበር: ኣባላት ናይ ሓደ ስሉስ ኣምላኽ ወይ ስላሴ ከም ዘይኰኑ ብንጹር የመልክት። (ዮሃንስ 14:28፣ 20:17) ፍጡር ዘበለ ዅሉ እዞም ቅቡኣት እዚኣቶም ናይ የሆዋ ከም ዝዀኑ ክፈልጥ ይግባእ። ናቱ መሰኻኽር ኢዮም። ስም ናይታ ካብ ሰማይ እትወርድ ሰማያዊት ከተማ: ሓዳስ የሩሳሌም: እውን ተጻሒፉሎም ኣሎ: እዚ ኸኣ እቲ ሰናይ ዝዀነ ግዝኣታ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እሙናት ደቂ ሰብ ከም እትዝርግሕ ኢዩ ዘመልክት። (ራእይ 21:9-14) ኵሎም እቶም ናይ ምድሪ ዝዀኑ ክርስትያናት ኣባጊዕውን እቶም ዝስዕሩ ቅቡኣት: ደቂ እታ መንግስቲ: ሰማያዊት የሩሳሌም ከም ዝዀኑ: ክፈልጡ ኢዮም።—መዝሙር 87:5, 6፣ ማቴዎስ 25:33, 34፣ ፊልጲ 3:20፣ እብራውያን 12:22

24. በቲ ናይ የሱስ ሓድሽ ስም እንታይ ኢዩ ተመልኪቱ ዘሎ: ኣብቶም እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ዝጸሓፍከ ብኸመይ ኢዩ፧

24 ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም ዝስዕሩ ቅቡኣት እቲ ሓድሽ ስም የሱስ ይጸሓፎም። እዚ ኸኣ ነቲ ብየሆዋ እተዋህቦ ናይ የሱስ ሓድሽ መዝነትን እተፈልየ መሰልን ኢዩ ዘመልክት። (ፊልጲ 2:9-11፣ ራእይ 19:12) ነቲ ስም እቲ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይፈልጦን ኢዩ: እዚ ኸኣ: ከምዚ ዝበለ ተመክሮን መሰልን ሕድሪ እተዋህበ ዋላ ሓደ የለን ማለት ኢዩ። የሱስ ስሙ ኣብቶም እሙናት ኣሕዋቱ ምስ ጸሓፎ ግን: ኣብቲ ሰማያዊ ግዝኣት ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ይገብሩ እሞ ኣብቲ መሰላቱውን ይካፈሉ። (ሉቃስ 22:29, 30) የሱስ ንኸምዚኦም ዝበሉ ቅቡኣት “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት [“ጉባኤታት:” NW] ዚብለን ዘሎ ይስማዕ” ኢሉ መልእኽቱ ምድምዳሙ ኣየገርምን ኢዩ።—ራእይ 3:13

25. ሎሚ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብውልቁ: ነቲ ብድሕሪቲ የሱስ ንጉባኤ ፊላደልፍያ ዝሃባ ምኽሪ ዘሎ ስርዓት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

25 እዚ መልእኽቲ እዝስ ነቶም ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበሩ እሙናት ክርስትያናት ኣየ ከመይ ዝበለ መተባብዒ ኰን ኢዩ ኰይንዎም ዝነበረ! ብርግጽ ነዞም ሎሚ ኣብዚ መዓልቲ ጐይታ ዘለዉ ክፍሊ ዮሃንስ እውን ዓቢ ትምህርቲ ሒዙሎም ኣሎ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብኡ ዘሎ ስርዓታት ነቶም ቅቡኣት ይኹን ወይስ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ: ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብውልቁ: ኣድላዪ ኢዩ። (ዮሃንስ 10:16) ነፍሲ ወከፍና ከምቲ እቶም ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝገብርዎ ዝነበሩ: ነታ መንግስቲ ፍረ እነፍሪ እንተድኣ ኴንና ሰናይ ንገብር። ኵላትና እንተወሓደ ሒደት ዓቕሚ ኣሎና። ኵላትና ኣብቲ ኣገልግሎት የሆዋ ገለ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና። ነዚ ዓቕሚ እዚ እምበኣር ንጠቐመሉ! ዝያዳ መሰላት ናይታ መንግስቲ ብዝምልከት ከኣ ብዝተኸፍተልና ደገ ኣቢልና ክንኣቱ ንቑሓት ንዅን። ከምዚ ዝበለ ደገ ክኸፍተልና ናብ የሆዋ ክንጽሊውን ንኽእል ኢና። (ቈሎሴ 4:2, 3) ኣብነት ምጽማም የሱስ እንተ ስዒብና: ንስሙውን እሙናት እንተዄንና: ንሕናውን እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንጉባኤታት ዝብለን እትሰምዕ እዝኒ ከም ዘላትና ከነርኢ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብግዜ ጳውሎስ: እቲ ኣብ ከተማ ቈረንቶስ መራሕ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዝነበረ ሶስቴነስ: ክርስትያን ሓው ኰነ።—ግብሪ ሃዋርያት 18:17፣ 1 ቈረንቶስ 1:1

b እዚ ብኽፍሊ ዮሃንስ እናተዳለወ ዝወጽእ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዕዮ ስብከት ብዝከኣለካ መጠን ምሉእ ብምሉእ ክትካፈልን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ናይ ምጥቃም ህጹጽነትን ምጕላሕ ቀጺሉ ኢዩ፣ ንኣብነት ነቲ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ኵሉ ሰብ ክብሪ የሆዋ ይኣውጅ” ከምኡውን “ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ” ዚብል ዓንቀጻት ርአ። እታ “እቶም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ ብሩኻት እዮም” እትብል ዓንቀጽ ናይ 1 ሰነ 2004 ሕታም: በቲ “ክፉት ደገ” ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብዛዕባ ምእታው ተጕልሕ። ኣብ ሓንቲ ወርሒ ናይ 2005 ዝለዓለ ቝጽሪ ናይቶም ጸብጻብ ዘቕረቡ ፓይነራት 1,093,552 በጺሑ ነበረ።

c ማክሊንቶክ ኤንድ ስትሮንግስ ሳይክሎፒድያ (ጥራዝ 10 ገጽ 519) ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ይህብ:- “ክርስትና ኣብ ቅድሚ እቶም ሃጸያት ክፍለጥ ዝኸኣለ እቶም ዘይቅኑዓት ካህናት እቲ እምነት ዘርኣዮ ምዕባለ ምስ ኣስተብሃሉ ሰንቢዶም ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ብዘለዓዓልዎ ዋዕዋዕታ ኢዩ: በዚ ኸኣ ትራጃን [98-117 ከ.ኣ.ዘ.] ነዚ ሰባት ንኣማልኽቲ ክጸልኡ ዝልውጦም ዘሎ ሓድሽ ትምህርቲ በብቝሩብ ንምጽቃጥ ኣዋጃት ኣውጽአ። ፕሌኒ እቲ መንእሰይ ኣመሓዳሪ ናይ ቢቲንያ [ኣብ ወሰን ሰሜናዊ እስያ እትርከብ ኣውራጃ ግዝኣት ሮሜ] ምምሕዳሩ ብጉዳያት ናይቲ ቅልጡፍ ዕቤት ዘርኢ ዝነበረ ክርስትናን እቲ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ነድሪ ናይቲ ኣብ ኣውራጅኡ ዝነበረ ዘይቅኑዕ ህዝብን ተሓላሊኹ ነበረ።”

d እታ ህዝቅያስ እትብል ስም ትርጕማ “የሆዋ የበርትዕ” ማለት ኢዩ። 2 ነገስት 16:20 ኣብ እግረ-ጽሑፍ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ ርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 63 ዘሎ ሳጹን]

ብዙሓት ንኽሰግዱ ምሕጋዝ

ካብቶም ነታ ሰማያዊት መንግስቲ ክወርሱ ዘለዎም 144,000 ቅቡኣት: ሎሚ 8,645 ዝዀኑ ተረፍ ክፍሊ ዮሃንስ ጌና ምድራዊ ህይወቶም ኣይወድኡን ኣለዉ። በቲ ሓደ ወገን ድማ እቶም ዓቢ ጭፍራ ቍጽሮም ልዕሊ 6,600,000 በጺሑ ኣሎ። (ራእይ 7:4, 9) እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓቢ ዕብየት ክህሉ ዝሓገዘ እንታይ ኢዩ፧ እተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝካየዳ እተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ዓቢ ግደ ኣበርኪተን እየን። ካብተን ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሕስር ዓለማዊ ፍልስፍና ዝምህራ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዝየን እተፈልያ ብምዃን: እዘን ናይ መሰኻኽር ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዓሚቝ እምነት ከም ዝህሉ ይገብራ። እዚኣተን ብዛዕባ ጽፉፍ: ስነ-ምግባራዊ ህይወት: ከምኡውን ውፉይ ኣገልግሎት ንኣምላኽ ምሃብ ዝምልከት ተግባራዊ ኣወዓዕልኡ የርእያ። ካብ 1943 ኣትሒዙ ኵለን እተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነፍሲ ወከፈን ኣብቲ ናይ ከባቢአን ኣደራሽ መንግስቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ይገብራ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሓደ ዓይነት መደብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምክትታል ይሳተፉ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ካብ 1959 ኣትሒዞም ናይ ጉባኤ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ልምምድ ዝወስዱሉ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ኣብያተ ትምህርቲ የካይዱ ኣለዉ። ካብ 1977 ከኣ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝዀኑ ብሓቂ መንፈስ ፊላደልፍያ ብምርኣይ ኣብ ዕዮ ስብከት ንየሆዋ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘቕርቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣሰልጢኑ ኢዩ። ብ1987 ድማ ንደቂ ተባዕትዮ መሰኻኽር ኣብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዕዮ ንፍሉይ መደብ እተዳሉ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ጀመረት።

ካብ ኵለን እተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝካየዳ ኣብያተ ትምህርቲ እታ ዝበለጸት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኢያ። እዛ ኣብ ኣውራጃ ኒው ዮርክ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ሚስዮናውያን: ካብ 1943 ኣትሒዛ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክልተ ጕጅለ ተመሃሮ ተመርቕ ኣላ። ብጠቕላላ 7,000 ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሚስዮናውያን ኰይኖም ንየሆዋ ዘገልግሉ ኣሰልጢና ኣላ። እቶም ካብዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ተመሪቖም ዝወጹ ኣብ ልዕሊ ሚእቲ ሃገራት ኣገልጊሎም ኢዮም: ኣብ ሓያለይ ካብዘን ሃገራት ከኣ ዕዮ ናይታ መንግስቲ ኣብ ምኽፋት ቀንዲ ተዋሳእቲ ዀይኖም ተረኽቡ። ድሕሪ 60 ዓመት ኣቢሉ: ገለ ኻብቶም ቀዳሞት ሚስዮናውያን ምስ ሓደስቲ ሚስዮናውያን ሓቢሮም ንማሕበር የሆዋ ኣብ ብዘላ ዓለም ንምስፋሕ ገና ኣብቲ ዕዮ ኣለዉ። ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ምስፍሕፋሕ ኰን ኢዩ!

[ኣብ ገጽ 64 ዘሎ ሰሌዳ]

ብ1919 እዚ ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት ደገ ከፈተ። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ውፉያት ክርስትያናትውን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ይጥቀምሉ ኣለዉ።

ስብከት ኣብ ስብከት ናይ ምሉእ

ዝበጽሐን እተሳተፉ ግዜ

ዓመት ሃገራት ክርስትያናት e ሰበኽቲ f

1918 14 3,868 591

1928 32 23,988 1,883

1938 52 47,143 4,112

1948 96 230,532 8,994

1958 175 717,088 23,772

1968 200 1,155,826 63,871

1978 205 2,086,698 115,389

1988 212 3,430,926 455,561

1998 233 5,544,059 698,781

2005 235 6,390,022 843,234

[እግረ-ጽሑፋት]

e እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣሃዛት ወርሓዊ ገምጋም ኢዩ።

f እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣሃዛት ወርሓዊ ገምጋም ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 65 ዘሎ ሰሌዳ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕዮኦም ብምሉእ ልቢ ኢዮም ዝገብርዎ። ንኣብነት ነቲ ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን ዘሕለፍዎ ሰዓታት ከምኡውን ነቲ ኣብ ኣባይቲ ሰባት እናኸዱ ዝመርሕዎ ዓቢ ቝጽሪ ናይ ናጻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተመልከት።

ኣብ ምስባኽ እተመርሐ ጽንዓታት

ዝሓለፈ ሰዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ዓመት (ዓመታዊ ድምር) (ወርሓዊ ገምጋም)

1918 19,116 ኣይተመዝገበን

1928 2,866,164 ኣይተመዝገበን

1938 10,572,086 ኣይተመዝገበን

1948 49,832,205 130,281

1958 110,390,944 508,320

1968 208,666,762 977,503

1978 307,272,262 1,257,084

1988 785,521,697 3,237,160

1998 1,186,666,708 4,302,852

2005 1,278,235,504 6,061,534

[ኣብ ገጽ 59 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ናይ ሮሜ መርሖ