ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ነቲ ጥቕላል ክግንጽሎ ዝበቅዕ መን ኣሎ፧’

‘ነቲ ጥቕላል ክግንጽሎ ዝበቅዕ መን ኣሎ፧’

ምዕራፍ 15

‘ነቲ ጥቕላል ክግንጽሎ ዝበቅዕ መን ኣሎ፧’

1. ሕጂኸ ኣብቲ ዮሃንስ ዝርእዮ ራእይ እንታይ ይፍጸም፧

 ድንቂ! ዘርዕድ! እዝስ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ መብራህቲ ሓውን እቶም ኪሩቤላትን እቶም 24 ሽማግለታትን እቲ ባሕሪ መረጸንን ዝርከብ ዝፋን የሆዋ ክትርኢ ከለኻ ዝወሃብ መግለጺ ኢዩ። ዮሃንስ: ብድሕርዚኸ እንታይ ኢኻ እትርኢ፧ ዮሃንስ ኣብቲ ማእከል ናይዚ ሰማያዊ ትርኢት እዚ ኢዩ ዘተኵር: ከምዚ ብምባል ከኣ ይነግረና:- “ኣብ የማን እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብውሽጡን ብወጻኢኡን ተጽሒፉ: ብሾብዓተ ማሕተም እተሐትመ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ርኤኹ። ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፤ ነዚ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] እዚ ኺግንጽሎ ንመሓትሙውን ኪፈትሖ ዚበቅዕ መን አሎ፧ ኢሉ ብብርቱዕ ድምጺ ኺጭርሕ ከሎ ርኤኽዎ። ነቲ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] እቲ ኺግንጽሎ ወይስ ኪርእዮ ኣብ ሰማይ: ወይስ ኣብ ምድሪ: ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣይተኻእሎን። ኣነ ድማ: ነቲ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ዚግንጽሎ ወይስ ዚርእዮ ብቑዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ: ብዙሕ በኼኹ።”—ራእይ 5:1-4

2, 3. (ሀ) ዮሃንስ ነቲ ጥቕሉል ዝፈትሕ ክርከብ ዝህንጠ ስለምንታይ ኢዩ: እቲ ትጽቢት ግን እንታይ ኢዩ ዝመስል፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና ቅቡኣት ህዝቢ ኣምላኽ ብቕንኢ እተጸበይዎ እንታይ ኢዩ፧

2 ነዚ ጥቕላል እዚ ኣብ ኢዱ ሒዙዎ ዘሎ እቲ ናይ ኵሉ ፍጥረታት ሉዓላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ባዕሉ ኢዩ። ብውሽጡን ብወጻኢኡን ተጻሒፍዎ ስለ ዘሎ: ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝመልአ ክኸውን ኣለዎ። ክንፈልጥ ናይ ምድላይ ህንጥዮትና ዘለዓዕል ኢዩ። እዚ ጥቕላል እዚ እንታይ ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧ እቲ የሆዋ ንዮሃንስ ዘቕረበሉ ዕድመ ንዝክሮ ኢና:- “ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ነገር ከርእየካስ ነጀው ደይብ” ዝብል ነበረ። (ራእይ 4:1) ብዛዕባ እዞም ነገራት እዚኣቶም ንኽንፈልጥ ውዕዉዕ ትጽቢት ኢዩ ዘሎና። ዘሕዝን ግን: እቲ ጥቕላል ኸሪሩ እተዓጽወ: ብሸውዓተ ማሕተም ከኣ እተሓትመ ኢዩ!

3 እቲ ብርቱዕ መልኣኽ: ነቲ ጥቕላል ንምፍታሕ ዝበቅዕ ገለ ኣካል ይረክብ ደዀን ይኸውን፧ ብመሰረት ኪንግደም ኢንተርሊንያር (እንግሊዝኛ) እቲ ጥቕላል “ኣብ የማናይ ኢድ” የሆዋ ኢዩ ዝርከብ። እዚ ኸኣ ኣብ ከብዲ ኢዱ ከም ዝሓዞ ኢዩ ዘመልክት። እንተዀነ ግን: ኣብ ሰማይ ኰነ ወይስ ኣብ ምድሪ ነቲ ጥቕላል ተቐቢሉ ክፈትሖ ዝበቅዕ ዋላ ሓደ ኣይተረኽበን። ኣብ ትሕቲ ምድሪ: ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ: ነዚ ዓቢ ክብሪ እዚ ዝበቕዖ ኣይተረኽበን። ዮሃንስ ብግልጺ ምጭናቑ እምበኣር ኣየገርምን ኢዩ! ምናልባት ነቲ “ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ነገር” ከይፈለጦ ክተርፍ ይኽእል ይኸውን። ኣብዚ ግዜናውን እንተዀነ: እቶም ቅቡኣት ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ራእይ ምእንቲ ክርድእዎ: የሆዋ ብርሃኑን ሓቁን ክልእከሎም ብሃንቀውታ ተጸብዮምዎ ኢዮም። ነዚ ኸኣ ንህዝቡ ብመገዲ ‘ምድሓን’ ምእንቲ ክመርሖም: ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ንመፈጸምታ ትንቢት በብእዋኑ ክገብሮ ኢዩ።—መዝሙር 43:3, 5

እቲ ብቑዕ

4. (ሀ) ነቲ ጥቕላልን ማሕተሙን ክፈትሖ ብቑዕ ኰይኑ እተረኽበ መን ኢዩ፧ (ለ) እቶም ክፍሊ ዮሃንስን ብጾቶምን ኣብ እንታይ ዓስብን መሰልን ኢዮም ዝካፈሉ፧

4 እወ: ነቲ ጥቕላል ክፈትሖ ዝኽእል ኣሎ! ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፤ ኣይትብከ: እንሆ: እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ: እቲ ሱር ዳዊት: ነቲ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ኪግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ኪፈትሖን ስዒሩ አሎ: በለኒ።” (ራእይ 5:5) ስለዚ ዮሃንስ: ነቲ ንብዓት ድረዞ! ሎሚ እወ: እቶም ክፍሊ ዮሃንስን እሙናት ብጾቶምን ንዓሰርተታት ዓመታት ብርቱዕ ፈተናታት እናተጸመሙ ክበርሃሎም ብትዕግስቲ ተጸብዮም ኢዮም። ሎሚ ነቲ ራእይ ከነስተውዕሎ ብምኽኣልና ኣየ ከመይ ዝበለ ዘጸናንዕ ዓስቢ ኰን ኢዩ: ከምኡውን ነቲ መልእኽቲ ንኻልኦት ብምእዋጅ ኣብ ፍጻሜኡ ምክፋልናኸ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢና ረኺብና ዘሎና!

5. (ሀ) ብዛዕባ ይሁዳ እንታይ ትንቢት ኢዩ ተነጊሩ ዝነበረ: ዘርኢ ይሁዳኸ ኣበይ ኢዮም ዝገዝኡ ነይሮም፧ (ለ) ሺሎ መን ኢዩ፧

5 እምበኣር “እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” ኢዩ ዝፈትሖ! ዮሃንስ: ነቲ “ይሁዳ ሽደን ኣንበሳ እዩ። ወደይ: ካብ ምርኮ ደየብካ። ከም ኣንበሳ ተዀርምዩ ደቀሰ: ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ እኳ ደኣ: መን የተንስኦ፧ ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ: ካብ ይሁዳ በትሪ: ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልን። ህዝብታት ይእዘዝዎ” ዝብል ንኣይሁድ ዝፈረየ ያእቆብ ብዛዕባ እቲ ራብዓይ ወዱ ይሁዳ እተነበዮ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 49:9, 10) መስመር ንግስነት ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ይሁዳ ኢዩ ዝጅምር። ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ኰይኖም ዝገዝኡ ዝነበሩ ነገስታት: ካብ ዳዊት ጀሚርካ ክሳዕ እቲ ባቢሎናውያን ነታ ኸተማ ዘባድምዋ ካብ ዘርኢ ይሁዳ ዝመጹ ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ዋላ ሓደ ካባታቶም እቲ ያእቆብ እተነበየሉ ሺሎ ኣይነበረን። ሺሎ: “እቲ [መሰል] ናቱ ዝዀነ” ማለት ኢዩ። ብትንቢታዊ መገዲ: እዚ ስም እዚ ነቲ ሕጂ መንግስቲ ዳዊት ንሓዋሩ ናቱ ዀይና ዘላ የሱስ ኢዩ ዘመልክት።—ህዝቅኤል 21:25-27፣ ሉቃስ 1:32, 33፣ ራእይ 19:16

6. የሱስ “ጠጥዒ” እሰይ ከምኡ ኸኣ “ሱር ዳዊት” ዝዀነ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

6 ዮሃንስ ነቲ “ሱር ዳዊት” ዝብል መሐበሪ ብኡንብኡ የለልዮ። እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲህ: ብትንቢት “ካብቲ ኽሩት ጕንዲ እሰይ [ኣቦኡ ንንጉስ ዳዊት] ከኣ ሓደ ጠጥዒ” ከምኡውን “ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እተተኽለ ጠጥዒ ሱር እሰይ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ኢዩ። (ኢሳይያስ 11:1, 10) የሱስ ካብቲ ንጉሳዊ መስመር ዳዊት ወዲ እሰይ ስለ እተወልደ: ጠጥዒ እሰይ ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺውን ሱር እሰይ ስለ ዝዀነ: ህይወትን ደገፍን ንዘለኣለም ብምሃብ ነቲ ናይ ዘርኢ ዳዊት ንግስና እንደገና ከም ዝጭብጭብ ዝገበሮ ንሱ ኢዩ ነይሩ።—2 ሳሙኤል 7:16

7. የሱስ ነቲ ጥቕላል ካብ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ክወስዶ ብቑዕ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧

7 የሱስ: እቲ ከም ፍጹም ሰብ መጠን: ሓለፍ ብዝበለ መገዲ ንየሆዋ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ፈተናታት ብንጽህና ዘገልገለ ኢዩ። ነቲ ናይ ሰይጣን ብድሆ ምሉእ መልሲ ሂቡሉ ኢዩ። (ምሳሌ 27:11) ስለዚ ኸኣ ኢዩ ድሮ እታ ብሞት እተሰውኣላ ምሸት: “አነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ክብል ዝኸኣለ። (ዮሃንስ 16:33) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ የሆዋ ነቲ ካብ ምውታት ዝተንስአ የሱስ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” ሃቦ። ካብ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሱ በይኑ ኢዩ ነቲ ኣድላዪ መልእኽቱ ምእንቲ ክነግር: ነቲ ጥቕሉል ጽሑፍ ክቕበል ብቑዕ ኰይኑ እተረኽበ።—ማቴዎስ 28:18

8. (ሀ) ነታ መንግስቲ ብዝምልከት ናይ የሱስ ብቕዓት ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ካብቶም 24 ሽማግለታት ነቲ ጥቕላል ክፈትሖ ዝበቅዕ ከም ዘሎ ንዮሃንስ ክገልጸሉ ብቑዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

8 የሱስ ነቲ ጥቕላል ክፈትሖ ብሓቂ ግቡእ ኢዩ። ካብ 1914 ኣትሒዙ ንጉስ ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ኣሎ: እቲ ጥቕላል ከኣ ብዛዕባ እታ መንግስትን ክትፍጽሞ ዘለዋን ብዙሕ ኢዩ ዝገልጽ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ብዛዕባ ሓቅነት ናይዛ መንግስቲ እዚኣ ብተኣማንነት መስኪሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 18:36, 37) ንሰዓብቱ: መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ክጽልዩ ማሃሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) ኣብ ምጅማር ናይ ዘበነ-ክርስትና ንስብከት ወንጌል መንግስቲ ጀመሮ: እዚ ዕዮ ስብከትዚ: ኣብ ግዜ መወዳእታ ከም ዘብቅዕ ከኣ ተነበየ። (ማቴዎስ 4:23፣ ማርቆስ 13:10) ሓደ ካብቶም 24 ሽማግለታት: የሱስ ነቲ ጥቕላል ክፈትሖ ዝበቅዕ ከም ዝዀነ ክነግሮውን ግቡእ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ንክርስቶስ ኣብታ መንግስቱ መዋርስቱ ብምዃን ኣብ ዝፋናት እተቐመጡን ኣኽሊላትውን ዝደፍኡን ኢዮም።—ሮሜ 8:17፣ ራእይ 4:4

‘እቲ እተሓርደ ገንሸል’

9. ዮሃንስ: ኣብ “ማእከል እቲ ዝፋን” ደው ኢሉ ዝርኣዮ ኣንበሳ ዘይኰነስ እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ገለጾ፧

9 ዮሃንስ ነዚ “ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” ክርኢ ቁሊሕ ይብል። እንተዀን ግን: ክሳዕ ክንደይ ዘስደምም ኰን ኢዩ! ሓደ ፈጺሙ ፍሉይ ዝዀነ ምሳሊያዊ ቅርጺ ይቕልቀል:- “ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን [“ህያዋን ፍጡራትን” NW] ኣብ ማእከል እቶም ሽማግሌታትን ተሐሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርኤኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን አለዉዎ: ንሳቶም ከአ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።”—ራእይ 5:6

10. እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ “ገንሸል” መን ኢዩ: እቲ ስያመ ግቡእ ዝኸውንከ ስለምንታይከ ኢዩ፧

10 ኣብ ማእከል: ኣብ ጥቓ እቲ ዝፋን: ኣብ ውሽጢ እቲ በቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን በቶም 24 ሽማግለታትን ዝቖመ ክብታት: ሓደ ገንሸል ኣሎ! ብዘይጥርጥር ዮሃንስ: ነቲ ገንሸል “እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” ከምኡውን እቲ “ሱር ዳዊት” ከም ዝዀነ ቀልጢፉ ኣለለዮ። ልዕሊ 60 ዓመት ኣቐዲሙ: ዮሃንስ መጥምቕ የሱስ እቲ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ምዃኑ: ነቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣላልዩዎም ከም ዝነበረ ዮሃንስ ይፈልጥ ኢዩ። (ዮሃንስ 1:29) የሱስ እቲ ኣበር ዘይብሉ ህይወቱ ከም መስዋእቲ ገይሩ ንደቂሰብ ምእንቲ ክህብ—ልክዕ ከምቲ ኣበር ዘይብሉ ገንሸል—ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ: ካብ ዓለም ዋላ ሓንቲ ኢንታ ኣይለገቦን።—1 ቈረንቶስ 5:7፣ እብራውያን 7:26

11. እቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ “ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል” ኰይኑ እንተ ቐረበስ ንኽብሩ ዘሕስር ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

11 እቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ “ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል ገንሸል” ኰይኑ ክቐርብሲ ምንኣስ ወይ ክብረት ዘሕስርዶ ኢዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን! የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ምዃኑ: ንሰይጣን ቀንዲ ስዕረት: ንየሆዋ ኣምላኽ ከኣ ዓቢ ዓወት ኢዩ ነይሩ። ንየሱስ በዚ መገዲ እዚ ምቕራቡ: ንናይ ሰይጣን ዓለም ከም ዝሰዓራ ህያው ገይሩ ዝገልጽ ከምኡውን መዘከሪ ናይቲ የሆዋን የሱስን ንደቂ ሰባት ዘለዎም ዓሚቝ ፍቕሪ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ 15:13፣ ምስ ቈሎሴ 2:15 ኣረኣእዮ።) በዚ ኸምዚ ኸኣ የሱስ: እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ: ነቲ ጥቕላል ንምፍታሕ ከኣ ዝበለጸ ብቑዕ ከም ዝዀነ ተፈልጠ።—ዘፍጥረት 3:15

12. እቲ ሸውዓተ ቐርኒ ናይቲ ገንሸል እንታይ የመልክት፧

12 ነዚ “ገንሸል” እዚ ብዝያዳ ከነማስወሉ ዘኽእለና ካልእ እንታይ ኢዩ፧ ሸውዓተ ቐርኒ ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀርኒ መብዛሕትኡ ግዜ ምልክት ሓይሊ ወይ ስልጣን ኢዩ: ሸውዓተ ኸኣ ምልኣት የመልክት። (ምስ 1 ሳሙኤል 2:1, 10፣ መዝሙር 112:9፣ 148:14 ኣረኣእዮ።) ስለዚ እቲ ሸውዓተ ቐርኒ ናይቲ ገንሸል: የሆዋ ንየሱስ ምሉእ ሓይሊ ከም ዝሃቦ ኢዩ ዘመልክት። ንሱ “ኣብታ እተመጽእውን እምበር: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን” ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ። (ኤፌሶን 1:20-23፣ 1 ጴጥሮስ 3:22) የሱስ ሓይሊ: ናይ መንግስቲ ሓይሊ: ብፍላይ ክጥቀም ዝጀመረ ካብ 1914 ካብቲ የሆዋ ሰማያዊ ንጉስ ገይሩ ኣብ ዝፋን ዘቐመጦ ግዜ ኢዩ።—መዝሙር 2:6

13. (ሀ) እቲ ሸውዓተ ዓይኒ ናይቲ ገንሽል እንታይ የመልክት፧ (ለ) እቲ ገንሸል እንታይ ምግባር ኢዩ ዝቕጽል፧

13 ብተወሳኺ: እቲ ‘ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ’ ተመሲሉ ዘሎ ሸውዓተ ኣዒንቲ ናይቲ ገንሸል: የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣጸቢቑ ዝመልአ ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ። የሱስ መትረብ ናይቲ የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ዘመሓላለፈሎም ምልኣት መስለጢ ሓይሊ ኢዩ። (ቲቶስ 3:6) ኣብ ሰማይ ኰይኑ: ንዅሉ እቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝግበር በዚ መንፈስ እዚ ገይሩ ከም ዝርእዮ ርዱእ ኢዩ። የሱስ ከም ኣቦኡ ፍጹም ምስትውዓል ኣለዎ። ከየቕለበሉ ዝሓልፍ ገለ ነገር እኳ የለን። (ምስ መዝሙር 11:4፣ ዘካርያስ 4:10 ኣረኣእዮ።) እዚ—ንዓለም ዝሰዓረ ሓላው ንጽህና፣ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፣ ሱር ዳዊት፣ እቲ ህይወቱ ምእንቲ ደቅሰብ ዝወፈየ፣ እቲ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ስልጣን: ምልኣት መንፈስ ቅዱስ: ከምኡውን ፍጹም ምስትውዓል እተቐበለ—ወዲ ኣምላኽ: ነቲ ጥቕላል ካብ ኢድ የሆዋ ክቕበል ዝበለጸ ብቕዓት ዘለዎ ኢዩ። ኣብቲ ልዕል ዝበለ ምምሕዳር የሆዋ ነዚ መዝነት እዚ ንኸይቅበል የድሓርሕርዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን! ወዮ እኳ ደኣ: “ንሱ መጺኡ: ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዶ።” (ራእይ 5:7) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣርኣያ ናይ ፍቓደኛ ዄንካ ምእዛዝ ኰን ኢዩ!

መዝሙር ውዳሰ

14. (ሀ) እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን እቶም 24 ሽማግለታትን የሱስ ነቲ ጥቕላል ብምውሳዱ ብኸመይ መለስሉ፧ (ለ) እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም 24 ሽማግለታት ዝረኽቦ ሓበሬታ ብዛዕባ መንነቶምን ቦትኦምን ዘረጋግጸልና ብኸመይ ኢዩ፧

14 እቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋ ዘለዉ ካልኦት ብኸመይ ይምልሱ፧ “ነቲ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ምስ ወሰዶ ኸአ: እቶም ኣርባዕተ እንስሳን [“ህያዋን ፍጡራትን:” NW] እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን: ነፍሲ ወከፎም መስንቆን ዕጣን ዝመልኤ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም:እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ:—ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ።” (ራእይ 5:8) ከምቲ እቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ ዘለዉ ኣርባዕተ ኪሩበል ዝመስሉ ህያዋን ፍጡራት: እቶም 24 ሽማግለታትውን ንስልጣኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ቅድሚ የሱስ ይሰግዱ። መሰንቆን ጽዋእ ዕጣንን ዝሓዙ ግን እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም ጥራይ ኢዮም። a ንሳቶም ጥራይ ኢዮም ሓድሽ መዝሙር ዝዝምሩ። (ራእይ 5:9) በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቶም መሰንቆ ዘለዎም: ሓድሽ መዝሙርውን ዝዝምሩ 144,000 ቅዱሳን ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ይመስሉ። (ገላትያ 6:16፣ ቈሎሴ 1:12፣ ራእይ 7:3-8፣ 14:1-4) ብዘይዚውን እቶም 24 ሽማግለታት ሰማያዊ ኣገልግሎት ክህነት ክፍጽሙ ይረኣዩ: ከም ጽላሎት ናይዚ ኸኣ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ካህናት ክሳዕ እቲ ኣምላኽ ንሕጊ ሙሴ ኣብቲ የሱስ እተሰቕለሉ ዕንጸይቲ ሸንኪሩ ብምልጋስ ካብ ምድሪ ዘትርፎ: ኣብ ማሕደር ንየሆዋ ይዓጥኑ ነበሩ። (ቈሎሴ 2:14) ካብዚ ዅሉኸ እንታይ ኢልና ኢና እንድምድም፧ ኣብዚ እቶም ቅቡኣት ሰዓርቲ ኣብቲ ከም ‘ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኰይኖም ንሽሕ ዓመት ዝነግስሉ’ ናይ መጨረሽታ መደቦም ይረኣዩ።—ራእይ 20:6

15. (ሀ) ኣብ እስራኤል ኣብታ ቅድሰተ ቅዱሳን ናይቲ ማሕደር ክኣቱ መሰል ዝነበሮ መን ጥራይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ሊቀ ኻህናት ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ቅድሚ ምእታዉ ዕጣን ምትካኽሲ ናይ ህይወት ወይ ሞት ጉዳይ ዝዀኖ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እቲ ሊቀ ኻህናት ጥራይ ኢዩ ኣብቲ ምሳልያዊ ህላወ የሆዋ ዘመልክት ቅድስተ ቕዱሳን ክኣቱ ዝኽእል ዝነበረ። ንዕኡ ዕጣን ሒዙ ኽኣቱ ናይ ህይወት ወይ ሞት ጉዳይ ኢዩ ነይሩ። ሕጊ የሆዋ ከምዚ ይብል:- “[ኣሮን] ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ጽንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ: ካብቲ እተጐድኤ ምኡዝ ዕጣን ከኣ ምሉእ ሕፍኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ። ከይመውትሲ: ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ: ደበና ዕጣን ምእንቲ ኪኽውሎ ኸኣ: ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብቲ ሓዊ ይግበሮ።” (ዘሌዋውያን 16:12, 13) እቲ ሊቀ ኻህናት ዕጣን ከየትክኸ ብዓወት ናብቲ ቅድሰተ ቅዱሳን ክኣቱ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ።

16. (ሀ) ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገባብ: መን ኢዩ ኣብቲ ምሳልያዊ ቅድስተ ቕዱሳን ዝኣቱ፧ (ለ) ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ዕጣን ከትክኹ’ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧

16 ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገባብ: እቲ በቲ ሊቀ ኻህናት ተመሲሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኰነስ: ነፍሲ ወከፍ ካብቶም 144,000 ንኡሳን ካህናት እውን ናብቲ የሆዋ ዘለዎ: ብቕድስተ ቅዱሳን ዝምሰል: ሰማይ ክኣትዉ ኢዮም። (እብራውያን 10:19-23) እቶም ኣብዚ በቶም 24 ሽማግለታት ተመሲሎም ዘለዉ ካህናት ‘ዕጣን እንተዘየትኪኾም:’ ማለት ከየቋረጹ ጸሎትን ምህለላን ናብ የሆዋ እንተድኣ ዘየቕሪቦም: ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣትዉ ኣይክእሉን ኢዮም።—እብራውያን 5:7፣ ይሁዳ 20, 21፣ ምስ መዝሙር 141:2 ኣረኣእዮ።

ሓድሽ መዝሙር

17. (ሀ) እቶም 24 ሽማግለታት ዝዝምርዎ ሓድሽ መዝሙር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ “ሓድሽ መዝሙር” ዝብል ቃላት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢዩ ዝዝውተር፧

17 ሕጂ ዜማዊ መዝሙር ክቃላሕ ይጅምር ኣሎ። እዚ ኸኣ እቶም ምስኡ ካህናት ዝዀኑ 24 ሽማግለታት ነቲ ገንሸል ዝዘመርዎ መዝሙር ኢዩ:- “ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ: . . . እሞ: ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ: ነቲ መሓትሙውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ: እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።” (ራእይ 5:9) “ሓድሽ መዝሙር” ዝብል ኣገላልጻ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ብምኽንያት ዝገበሮ ዓቢ ናይ ድሕነት ተግባር ንየሆዋ ምውዳስ ዘመልክት ኢዩ። (መዝሙር 96:1፣ 98:1፣ 144:9) እቲ መዝሙር ሓድሽ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ዘማሪ: የሆዋ ዝገበሮ ካልእ ተወሳኺ ድንቂ ግብርታት ዝእውጅን ነቲ ኽቡር ስሙ ኸኣ እተሓደሰ ሞሳ ስለ ዘቕርብን ኢዩ።

18. እቶም 24 ሽማግለታት ንየሱስ ብሓድሽ መዝሙር ዝውድስዎ እንታይ ስለ ዝገበረ ኢዮም፧

18 ኣብዚ ግን እቶም 24 ሽማግለታት ነቲ ሓድሽ መዝሙር ኣብ ቅድሚ የሱስ ድኣምበር: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣይኰኑን ዝዝምርዎ። እቲ ስርዓት ግን ኣይተለወጠን። ንየሱስ ዘመስግንዎ ድማ በቲ ከም ወዲ ኣምላኽ መጠን ምእንትኦም ዝገበሮ ሓድሽ ነገራት ኢዩ። ብደሙ ገይሩ ማእከላይ ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ኰነ: በዚ ኸኣ ናይ የሆዋ ፍሉይ ጥሪት ዝዀነ ሓድሽ ህዝቢ ከምጽእ ከኣለ። (ሮሜ 2:28, 29፣ 1 ቈረንቶስ 11:25፣ እብራውያን 7:18-25) ኣባላት ናይዚ ፍሉይ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ እዚ ኸኣ ካብ ብዙሓት ስጋውያን ህዝብታት ዝመጹ ኢዮም: የሱስ ግን ከም ሓንቲ ጉባኤን ከም ሓደ ህዝብን ገይሩ ኣሕበሮም።—ኢሳይያስ 26:2፣ 1 ጴጥሮስ 2:9, 10

19. (ሀ) ዘይእሙናት ብምዃኖም እቶም ስጋውያን እስራኤል ክረኽብዎ ዘይከኣሉ በረኸት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ናይ የሆዋ ሓድሽ ህዝቢ ዘስተማቕሮ በረኸት እንታይ ኢዩ፧

19 ብግዜ ሙሴ የሆዋ ንእስራኤላውያን ከም ሓደ ህዝቢ ገይሩ ምስ ኣቖሞም: ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ: ነቲ ኪዳን እቲ እሙናት ኰይኖም እንተድኣ ሓልዮምዎውን ኣብ ቅድሚኡ ናይ መንግስቲ ካህናት ከም ዝዀንዎ ተመባጽዓሎም። (ዘጸኣት 19:5, 6) እስራኤላውያን እሙናት ኣይነበሩን: ስለዚ ነቲ ተዋሂብዎም ዝነበረ መብጽዓ ፈጺሞም ኣይረኸብዎን። በቲ ሓደ ወገን ከኣ: እቶም በቲ የሱስ ማእከላዩ ዝዀነ ሓድሽ ኪዳን ዝቘሙ ሓድሽ ህዝቢ እሙናት ኰይኖም ተረኽቡ። ኣባላቱ ኸኣ ነገስታት ኰይኖም ንምድሪ ክገዝእዋ ኢዮም: ከም ካህናት ኰይኖምውን ነቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ምስ የሆዋ ንኽተዓረቑ ክሕግዝዎም ኢዮም። (ቈሎሴ 1:20) ልክዕ ከምቲ እቲ ሓድሽ መዝሙር ዝብሎ ኢዩ:- “ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም: ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም።” (ራእይ 5:10) እቶም 24 ሽማግለታት ነቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ሓድሽ መዝሙር ውዳሰ ክዝምርሉ ኸለዉስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዘለዎም!

ናይ ሓባር ሰማያዊ መዝሙር

20. ሕጂኸ ነቲ ገንሸል እንታይ ናይ ውዳሰ መዝሙር ኢዩ ዝቃልሓሉ ዘሎ፧

20 እቶም ካልኦት ማእለያ ዘይበሎም ኣባላት ናይታ ሰማያዊት ማሕበር የሆዋኸ ነዚ ሓድሽ መዝሙር እዚ ብኸመይ ይምልሽሉ፧ ዮሃንስ ነቲ ልባዊ ስምምዖም ብምዕዛቡ ደስ ኢልዎ ኢዩ:- “ርኤኹ ድማ: ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን [“ህያዋን ፍጡራትን:” NW] እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ: ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ: ኣሻሕ ጊዜውን ኣሻሕ እዩ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፤ እቲ እተሐርደ ገንሸል: ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ: በሉ።” (ራእይ 5:11, 12) ኣየ ከመይ ዝበለ ዝምስጥ መዝሙር ውዳሰ ኢዩ!

21. ነቲ ገንሸል ምውዳስ ንናይ የሆዋ ሉዓላውነት ወይ መዓርግ ዝንኪዶ ኢዩ፧ ግለጽዎ።

21 እዚኸ የሱስ ብገለ መገዲ ንየሆዋ ኣምላኽ ተኪእዎ: ኵሉ ፍጥረት ድማ ኣብ ክንዲ ነቦኡስ ንእኡ ክውድስ ኢዩ ማለት ድዩ፧ እዝስ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ኢዩ! ኣብ ክንድኡስ እዚ መዝሙር ውዳሰ እዚ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ዝሰማማዕ ኢዩ:- “ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ: ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ [ንየሱስ] ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ: ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።” (ፊልጲ 2:9-11 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብዚ: እቲ ግቡእ ሉዓላውነት ናይ የሆዋ ንምርግጋጽ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ፍጡር ቀሪቡ ዘሎ ቀንዲ ክርክር ንምድቃስ ብዘለዎ ግደ ኢዩ የሱስ ክብ ኢሉ ዘሎ። ኣየ እዝስ ብርግጽ ነቦኡ ከመይ ዝበለ ክብሪ ኰን ኢዩ ኣምጺኡሉ!

ዓው ዝበለ መዝሙር

22. እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣብ ከመይ ዝበለ መዝሙር ኢዮም ድምጾም ዝሕውሱ፧

22 ኣብቲ ዮሃንስ ገሊጽዎ ዘሎ ትርኢት: እቶም ማእለያ ዘይብሎም ሰማያውያን ፍጡራት ንየሱስ ነቲ ተኣማንነቱን ሰማያዊ ስልጣኑን ኣፍልጦ ብምሃብ ብዜማ ይውድስዎ። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉውን ነቦን ወድን ንምውዳስ ምስኦም ድምጾም ይሕውሱ። ከምቲ ዓወት ናይ ሓደ ሰብኣዊ ውሉድ ንወለዱ ዓቢ ናእዳ ዘምጽእ: ከምኡውን ናይ የሱስ እሙን ኣካይዳ ኣብ መንጎ ዅሉ ፍጥረት “ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ” ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉውን፤ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ።”—ራእይ 5:13

23, 24. (ሀ) እቲ መዝሙር ኣብ ሰማይ መዓስ ከም ዝጅምር: ኣብ ምድሪ ኸኣ መዓስ ከም ዝጅምር ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ዓመታት በብዝሓለፈሉ መጠን ድምጺ ናይቲ መዝሙር እናወሰኸ ዝኸይድ ብኸመይ ኢዩ፧

23 እዚ ዓቢ መዝሙር እዚ መዓስ ኢዩ ዝዝመር፧ ኣብ መጀመርታ ናይ መዓልቲ ጐይታ ኢዩ ጀሚሩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማያት ምስ ተደርበዩ ኵሉ ‘ኣብ ሰማይ ዘሎ ፍጡር’ ኣብዚ ናይ ውዳሰ መዝሙር እዚ ክሓብር ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኸኣ: ካብ 1919 ኣትሒዞም ኣብ ምድሪ ቍጽሮም እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉ ሓያለይ ሰባት ድምጾም ብሓባር ዓው ኣቢሎም ንየሆዋ እናወደሱ: ካብ ሒደት ኣሽሓት: ኣብ 2005 ናብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን በጺሖም ኣለዉ። b ናይ ሰይጣን ምድራዊ ኣገባብ ምስ ተደምሰሰ ኵሎም እቶም ‘ኣብ ምድሪ ዘለዉ ፍጡራት’ ንየሆዋን ንወዱን መዝሙር ውዳሴ ክዝምሩ ኢዮም። ኣብቲ የሆዋ መዲብዎ ዘሎ ግዜ ኸኣ ትንሳኤ ናይቶም ታእላው ዘይብሎም ሞይቶም ዝነበሩ ሚልዮናት ክጅምር ኢዩ: ሽዑ ኸኣ ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ‘ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘለዉ ፍጡራት’ ተንሲኦም ነቶም ዝዝምሩ ክሓብርዎም ኢዮም።

24 እንሆ ድሮ: ‘ካብ ወሰን ምድርን ባሕርን ደሴታትን’ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምስታ ዓለምለኻዊት ማሕበር የሆዋ ዀይኖም ሓድሽ መዝሙር ይዝምሩ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 42:10፣ መዝሙር 150:1-6) ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሽሕ ዓመት: ወድሰብ ኣብ ፍጽምና ምስ በጽሐ: እዚ ዘሐጕስ ውዳሰ እዚ ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ክበጽሕ ኢዩ። ድሕርቲ እቲ ሊቀ-መስሓቲ ዝዀነ ናይ ጥንቲ ተመን: ሰይጣን: ንምሉእ መፈጸምታ ናይ ዘፍጥረት 3:15 ፈጺሙ ክድምሰስ ኢዩ፣ ብዕዉት ፍጻሜ ኸኣ ኵሎም ህያውን ፍጡራት: መንፈሳውያንን ደቅሰብን: ብሓባር “በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን” ብምባል ክዝምሩ ኢዮም። ኣብ ብዘሎ ኣድማስ ከኣ ዘይሰማማዕ ድምጺ ዋላ ሓደ ኣይክህሉን ኢዩ።

25. (ሀ) እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ ኣድማሳዊ መዝሙር ዝጸሓፎ ጸብጻብ ምንባብና እንታይ ኽንገብር ኢዩ ዝደፋፍኣና፧ (ለ) እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን እቶም 24 ሽማግለታትን ኣብ መወዳእታ እቲ ራእይ እንታይ ድንቂ ዝዀነ ኣርኣያ ኢዮም ገዲፎምልና ዘለዉ፧

25 ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘሐጕስ ግዜ ዀታ ኢዩ ክኸውን! ብርግጽ: እቲ ዮሃንስ ኣብዚ ገሊጽዎ ዘሎስ ንልብና ብሓጐስ መሊኡ ምስቶም ሰማያውያን ፍጡራት ሓቢርናውን ካብ ልቢ ዝወጸ መዝሙር ውዳሰ ንየሆዋ ኣምላኽን ንየሱስ ክርስቶስን ንኽንዝምረሎም ይድርኸና። ካብ ቅድም ብዝያዳ ሎሚ ቅኑዕ ነገር ንምግባር ክንጽመም ዝቖረጽናዶ ኣይኰናን፧ ከምኡ እንተድኣ ንገብር ኴንና: ብሓገዝ የሆዋ በብውልቅና ድምጽና ምስቲ ኣድማሳዊ መዝሙር ውዳሰ ሓዊስና: ኣብቲ ሕጕስ ፍጻሜ ክንህሉ ክንክእል ኢና። ብርግጽ: እቶም ኪሩበል ዝመስሉ ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን እቶም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ቅቡኣት ክርስትያናትን ምሉእ ብምሉእ ዝሰማምዑ ኢዮም: ከመይሲ እቲ ትርኢት “እቶም ኣርባዕተ እንስሳ [“ህያውን ፍጡራት:” NW] ኸአ፤ ኣሜን: በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ” ብምባል ኢዩ ዝድምደም።ራእይ 5:14

26. እምነት ክንገብር ዝግባእ ኣብ እንታይ ኢዩ: እቲ ገንሸልከ እንታይ ክገብር ኢዩ ዝዳሎ ዘሎ፧

26 ኣታ ፍቑር ኣንባቢ: ንስኻውን ኣብ መስዋእቲ ናይቲ ‘ብቑዕ’ ኰይኑ እተረኽበ ገንሸል እምነት ግበር፣ በቲ ነቲ ‘ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ’ የሆዋ ንምምላኽን ንምግልጋልን እትገብሮ ናይ ትሕትና ጻዕሪ ኸኣ ተባረኽ። ሎሚ እቲ ኽፍሊ ዮሃንስ ዘድሊ ‘[መንፈሳዊ] ቐለብ በብግዜኡ ክህብ’ ከሎ ንኣኻውን ክሕግዘካስ ኣፍቅደሉ። (ሉቃስ 12:42) ርአ እሞ! እቲ ገንሽል ነቲ ሸውዓተ ማሕተም ክፈትሖ ይዳሎ ኣሎ። ከመይ ዝበለ ንስምዒትካ ዘንቀሳቕስ ምግላጽ ምስጢራት ክንርኢ ኢዩ ዝጽበየና ዘሎ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብሰዋሱው ክርአ ከሎ እተን “እቶም ኣርባዕተ እንስሳን [“ህያዋን ፍጡራትን:” NW] እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን: ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልኤ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም” ዝብላ ቃላት: ነቶም ሽማግለታትን ነቶም ህያዋን ፍጡራትን ከመልክታ ይኽእላ ኢየን። እቲ ኣብቲ ከባቢ ናይቲ ጽሑፍ ዘሎ ሓሳብ ግን: ነቶም 24 ሽማግለታት ጥራይ ከም ዘመልክት ኢዩ ዘርኢ።

b ኣብ ገጽ 64 ዘሎ ሰሌዳ ተመልከቱ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 86፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]