ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ እንደገና ወልዕ!

ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ እንደገና ወልዕ!

ምዕራፍ 7

ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ እንደገና ወልዕ!

ኤፌሶን

1. ናይ መጀመርታ መልእኽቲ የሱስ ናብ ኣየነይቲ ጉባኤ ኢዩ ነይሩ: ነቶም ተዓዘብትኸ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዘዘኻኸሮም፧

 እታ ቐዳመይቲ መልእኽቲ የሱስ ናብታ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ዕሙር ገማግም ንእሽቶ ኤስያ ኣብ ጥቓ ደሴት ጳጥሞስ ዝነበረት ጉባኤ ኤፌሶን ኢያ እተላእከት። ንዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይእዝዞ:- “ናብ መልኣኽ ማሕበር [“ጉባኤ:” NW] ኤፌሶን ጽሐፍ፤ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሐዘ: ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል አሎ።” (ራእይ 2:1) ኣብዚ የሱስ: ከምቲ ኣብተን ካልኦት ሽዱሽተ መልእኽትታቱ ዝገበሮ ነቲ ስልጣን ዘለዎ ቦትኡ ኢዩ ዘመልክት ዘሎ። ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ተዓዘብቲ ኸኣ ኵሎም ሽማግለታት ኣብ ትሕቲ ዕቝባኡ ከም ዘለዉን ንዅለን ጉባኤታት ድማ ይዕዘብ ከም ዘሎን ኣዘኻኸሮም። ነቶም ሽማግለታት ብምዕዛብን ንዅሎም ምስተን ጉባኤታት ዝሓብሩ ድማ ብሕያውነት ብምጕሳይን ነዚ ፍቕራዊ ርእስነት እዚ ክሳዕ እዚ ግዜና ይቕጽሎ ኣሎ። እቲ ብርሃን ዝያዳ ደሚቑ ምእንቲ ክበርህ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንጉባኤ ዝምልከት ስርዓታት የተዓራሪ ኢዩ። እወ: የሱስ ሓለቓ ጓሶት ናይ መጓሰ ኣምላኽ ኢዩ።—ማቴዎስ 11:28-30፣ 1 ጴጥሮስ 5:2-4

2. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ከመይ ዝበለ ሰናይ ነገራት ኢዩ ንጉባኤ ኤፌሶን ዝንኣዶም፧ (ለ) እቶም ናይ ኤፌሶን ሽማግለታት ነየናይ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ ኢዮም ብርግጽ እተኣዘዝዎ፧

2 የሱስ ንዅለን መልእኽትታቱ ሓደ ዓይነት ኣጸሓሕፋ ይኽተል: ንኽልተ ካብኣተን ግን ባህ ብዘብል ናይ ንእዶ ቃላት ይጅምረን። እታ ናብ ኤፌሶን ዝለኣኻ ከምዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ነበራ:- “ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን: ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከአልካን: ነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ: ተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን: እፈልጥ አሎኹ። ትዕግስቲ ኸኣ አሎካ: ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ: ኣይሰልኬኻን።” (ራእይ 2:2, 3) ዓመታት ኣቐዲሙ: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ናይ ኤፌሶን ሽማግለታት ብዛዕባ እቶም ነቲ መጓሰ ዘዕገርግሩ ከሓድቲ “እኩያት ተዃሉ” ኣጠንቂቕዎም ነይሩ ኢዩ: ነቶም ሽማግለታት እቲኣቶም ነቲ ዘይሕለል ኣብነቱ ብምኽታል ‘ክነቕሑ’ ከም ዘለዎምውን ነገሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 31) ነቲ ዘርኣይዎ ጻዕርን ምጽማምን ዘይምሕላልን የሱስ ካብ ንኣዶ: እቲ እተዋህቦም ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎ ክዀኑ ኣለዎም።

3. (ሀ) እቶም “ሃዋርያት ሓሶት” ኣብ ግዜና ከመይ ኢሎም ኢዮም ነቶም እሙናት ከስሕቱ ዝደልዩ፧ (ለ) ሃዋርያ ጴጥሮስ ንከሓድቲ ዝምልከት እንታይ መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃበ፧

3 ብመዓልቲ ጐይታውን “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ” “ሃዋርያት ሓሶት” ተንሲኦም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 11:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:30፣ ራእይ 1:10) እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣምላኽ ማሕበር የብሉን: ኣብ ኵለን እዘን ዝገራጨዋ ናይ ኣንቈራ ሃይማኖታት ከኣ ጽቡቕ ነገር ኣሎ ይብሉ: የሱስ ብ1914 ናይ መንግስቲ ስልጣን ከም እተቐበለ ድማ ይኽሕዱ። ንሳቶም ነቲ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ: . . . ንሳቶም ከኣ፤ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ: ኪብሉ እዮም” ዝብል ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:3, 4 ዘሎ ትንቢት ይፍጽምዎ።

4. (ሀ) ትዕቢትን ዕልወትን ናይቶም መላገጽቲ ብኸመይ ኢዩ እተገልጸ፧ (ለ) እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣንጻር ሓሰውቲ ተጻረርቲ ከመይ ዝበለ ስጕምቲ ብምውሳድ ኢዮም ከምቶም ሰብ ኤፌሶን ምዃኖም ዘርእዩ፧

4 እዞም መላገጽቲ እዚኣቶም ኣንጻር እቲ ብዛዕባ እምነቶም ህዝባዊ ምስክርነት ምሃብ ዝብል ሓሳብ ዓልዮም ኢዮም። (ሮሜ 10:10) ብዛዕባ እቶም ናይ ቀደም ኣመንቲ ብጾቶም ናይ ሓሶት ጸብጻባት ምእንቲ ክነዝሑ ደገፍ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ: ከምኡውን ካብ ናይ ዜና መጽሔታትን ናይ ተሌቭዥን መደበራትን ሓገዝ ደለዩ። እቶም እሙናት ሰባት ከኣ ናይዞም መታለልቲ ዝርርብን ጠባይን ሓቂ ከም ዘይብሉ ቀልጢፎም ይርድኡ። ከምቲ ናይ ሰብ ኤፌሶን: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ነቶም ‘እኩያት ሰባት ክጸርዎም ስለ ዘይክእሉ’ ካብ ጉባኤታቶም ይውግድዎም። a

5. (ሀ) የሱስ ሰብ ኤፌሶን እንታይ ድኽመት ከም ዝነበሮም ኢዩ እተዛረበ፧ (ለ) ሰብ ኤፌሶን ነየኖት ቃላት ኢዮም ክዘክርወን ዝነበሮም፧

5 ይኹን እምበር: ሕጂ የሱስ ልክዕ ከምቲ ካብተን ሾብዓተ ጉባኤታት ነተን ሓሙሽተ ዝበለን ሓደ ከቢድ ጸገም ይጠቅስ። ንሰብ ኤፌሶን ከምዚ ይብሎም:- “ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ።” (ራእይ 2:4) ጳውሎስ 35 ዓመታት ኣቐዲሙ ብዛዕባ እታ “ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ” ብምጥቃስ “ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ [“ንኣምላኽ ምሰልዎ:” NW]። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም . . . ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ:” ኢሉ ምዒድዎም ስለ ዝነበረ በዚ መዳይ እዚ ክሓምቁ ኣይነበሮምን። (ኤፌሶን 2:4፣ 5:1, 2) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ የሱስ “እግዚኣብሄር ኣምላኽና: ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ኢሉ እተዛረቦ ቃላት ኣብ ልቦም ክቕረጽ ነበሮ። (ማርቆስ 12:29-31) ሰብ ኤፌሶን ነታ ቀዳመይቲ ፍቕሪ ኣጥፍእዋ።

6. (ሀ) ኣብታ ጉባኤ ነባራት ንዅን ወይስ ሓደስቲ: ካብ ከመይ ዝበለ ሓደጋን ዝምባለታትን ኢና ክንሕሎ ዝግብኣና፧ (ለ) እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እንታይ ክንገብር ኢዩ ክድርኸና ዘለዎ፧

6 ኣብታ ጉባኤ ነባራት ንዅን ወይስ ሓደስቲ ነታ ኣብ የሆዋ ዝነበረትና ናይ መጀመርታ ፍቕሪ ከይትጠፍእ ክንሕልዋ ኣሎና። እዚ ምዝሓል እዚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ክመጽእ ዝኽእል፧ ምስ ዓለማዊ ስራሕና ዝያዳ ክንጠብቕ ነፍቅድ: ብዙሕ ገንዘብ ናይ ምእካብ ባህጊ ነሕድር: ወይ ድማ ደድሕሪ ተድላ ምጕያይ ኣብ ህይወትና ቀንዲ ነገር ንገብሮ ንኸውን። በዚ ድማ ናይ መንፈስ ኣብ ክንዲ እንሓስብ ናይ ስጋ እንሓስብ ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሮሜ 8:5-8፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:8፣ 6:9, 10) እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ንኸምዚ ዝበለ ዝዀነ ይኹን ዝንባለ ከነዐሪ: ከምኡውን ‘ንርእስና መዝገብ ኣብ ሰማይ ክንእክብ’ ምእንቲ ኽንክእል ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደሊ’ ክድርኸና ኣለዎ።—ማቴዎስ 6:19-21, 31-33

7. (ሀ) እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብምንታይ እተደረኸ ክኸውን ኣለዎ፧ (ለ) ንፍቕሪ ዝምልከት ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

7 እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ካብ መዓሙቝ ልብና ብዝወጽእ ፍቕሪ እተደረኸ ይኹን። ንዅሉ እቲ የሆዋን ክርስቶስን ዝገበሩልና ምዉቕ ሞሳ ነቕርብ። ከምቲ ዮሃንስ ባዕሉ ጸኒሑ ዝጸሓፎ ኢዩ:- “ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና: ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር: ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን: እታ ፍቕሪ በዚ እያ።” ዮሃንስ ቀጺሉ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ: እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር: ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር” ኢሉ ይነግረና። እታ ንየሆዋ: ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ: ከምኡውን ነቲ ህያው ቃል ኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ዘይትቕህም ትኹን! እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብቲ ብቕንኢ ተላዒልና እንገብሮ ኣገልግሎት ስብከት ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ “ንኣምላኽ ዜፍቅር ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ: እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ” ዝብል ብምእዛዝ እውን ከነንጸባርቓ ንኽእል ኢና።—1 ዮሃንስ 4:10, 16, 21፣ እብራውያን 4:12፣ ከምኡውን 1 ጴጥሮስ 4:8፣ ቈሎሴ 3:10-14፣ ኤፌሶን 4:15 ርአ።

“ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ”

8. የሱስ ሰብ ኤፌሶን ክገብርዎ ዘለዎም ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ፧

8 ሰብ ኤፌሶን ክጠፍኡ እንተድኣ ዘይደልዮም ነታ ሓደ ግዜ ዝነበረቶም ፍቕሪ እንደገና ክውልዕዋ ኣለዎም። ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ “እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ: ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ: እንተ ዘይተነሳሕካውን: ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ” ዝበሎም። (ራእይ 2:5) እቶም ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ነዘን ቃላት እዚኣተን ብኸመይ ተቐበልወን፧ ብዛዕባ እዚ ኣይንፈልጥን ኢና። ተናሲሖምን ነቲ ኣብ የሆዋ ዘነበሮም ፍቕሪ ድማ እንደገና ኣበራቢሮምዎን ክዀኑ ተስፋ ንገብር። ከምኡ እንተ ዘይገይሮም ግና መብራህቶም ይጠፍእ: እቲ ቀማዊ ቀንዴሎም ድማ የልግስ። ነቲ ብርሃን ናይ ቃል ሓቂ ንምዝርጋሕ ዝነበሮም መሰልውን የጥፍኡ ማለት ኢዩ።

9. (ሀ) የሱስ ንሰብ ኤፌሶን እንታይ ዘተባብዕ ቃል ኢዩ ዝነበሮ፧ (ለ) እተን ድሕሪ እቲ ዮሃንስ ዝነበረሉ ግዜ ዝነበራ ጉባኤታት ነቲ የሱስ ንሰብ ኤፌሶን ዝሃቦም ምኽሪ ካብ ምቕላብ ዝሰነፋ ብኸመይ ኢየን፧

9 ምስናይ እዚ ግን: የሱስ ንሰብ ኤፌሶን “ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኹ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ አሎካ” ኢሉ ኣተባብዖም። (ራእይ 2:6) እንተዋሓደ: ከምቲ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣንቈራ ዝጸልእ ንሳቶም እውን ይጸልእዎ ነበሩ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግና ብዙሓት ጉባኤታት ነዘን ናይ የሱስ ቃላት እዚኣተን ካብ ምቕላብ ሰነፋ። ንየሆዋ: ንሓቂ: ከምኡውን ንሓድሕዶም ፍቕሪ ብዘይ ምርኣዮም ናብ መንፈሳዊ ጸልማት ከም ዝኣትዉ ገበሮም። ናብ ብዙሓት ንሓድሕደን ዝበኣሳ ኣንቈራታት ተበታተኑ። እቶም ፍቕሪ የሆዋ ዘይነበሮም “ክርስትያን” ጸሓፍቲ ንስም ኣምላኽ ካብቲ ናይ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ ኣልገስዎ። ፍቕሪ ስለ ዘይብሎም ብስም ክርስትና ገይሮም ከም ሲኦል ሓዊ: መንጽሂ ቦታ: ከምኡውን ስላሴ ዝኣመሰለ ባቢሎናውን ናይ ግሪኽን ሰረተ-እምነታት ንኽኣቱ ኣፍቀዱ። ንኣምላኽን ንሓቅን ፍቕሪ ስለ ዘይነበሮም መብዛሕትኦም እቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምስባኽ ኣቋረጹ። በቶም ናይ ገዛእ ርእሶም መንግስቲ ኣብ ምድሪ ዘቘሙ ስሱዓት ኣቕሽሽቲ ድማ ተዓብለሉ።—ምስ 1 ቈረንቶስ 4:8 ኣረኣእዮ።

10. ብ1918 ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታዊ ኵነታት ከመይ ኢዩ ነይሩ፧

10 ብ1918 እቲ ፍርዲ ብቤት ኣምላኽ ምስ ጀመረ: እቶም ኣንቆራታት ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ብኽልቲኡ ወገን ንዘለዉ ኣመንቲ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ነንሓድሕዶም ክተሓራረዱ እናደፋፍኡ: ንቐዳማይ ውግእ ዓለም ብግህዶ ደገፎም ይህቡ ነበሩ። (1 ጴጥሮስ 4:17) ከምቲ ጉባኤ ኤፌሶን ንግብሪ ኒቆላውያን ዝጸልኣቶ ዘይኰነስ: ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታት ካብ ነዊሕ ኣትሒዘን ብዝጋጮ: ኣንጻር ኣምላኽ ዝዀነ ሰረተ-እምነታት ገይረን ከደናግራን ኣቕሽሽተን ድማ ምርጭኦም ምስታ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክፍላ ክዀኑ ከም ዘይብሎም ዝነገሮም ዓለም ክገብራን ጸኒሐን ኢየን። (ዮሃንስ 15:17-19) ጉባኤታቶም ብዛዕባ እታ ቀንዲ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ምንም ስለ ዘይፈልጣ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዘብርሃ ቐወምቲ ቐንዴል ኣይኰናን: ኣባላተንውን ክፍሊ ናይታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ የሆዋ ኣይኰኑን። እቶም ዝመርሑዎም ሰብኡት (ከምኡውን ኣንስቲ) ኸዋኽብቲ ዘይኰኑስ ኣባላት እቲ “ሰብኣይ ዓመጻ” ከም ዝዀኑ ተጋህደ።—2 ተሰሎንቄ 2:3፣ ሚልክያስ 3:1-3

11. (ሀ) ኣብቲ ናይ ዓለም መድረኽ: ብ1918 ነቲ የሱስ ንሰብ ኤፌሶን ዝበሎም ቃላት ኣብ ግብሪ ዘውዓልዎ ኣየኖት ጕጅለ ክርስትያን ኢዮም፧ (ለ) እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ካብ 1919 ኣትሒዞም እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧

11 ይኹን እምበር እቶም ክፍሊ ዮሃንስ: ካብቲ ዕግርግርን ዓመጻን ዝነበሮ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ነቲ ብሃልሃል ዝብል ቅንኢ ተደሪኾም ከገልግልዎ ዝደፋፍኦም ፍቕሪ ንየሆዋን ቃል ኣምላኽን ሒዞም ተቐልቀሉ። ነቶም ነቲ ቀዳማይ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ቻርለስ ቲ. ራስል ብ1916 ምስ ሞተ ከምልኽዎ ብምድላይ ኣንቆራነት ከእትዉ ዝፈተኑ ሰባት ተቓወምዎም። እዞም ጕጅለ ክርስትያን እዚኣቶም: ብመስጐግትን ጸገማትን ተገሪሖም ካብ ጐይትኦም ድማ “ጽቡቕ ገበርካ” ዝብል ፍርዲ ተቐቢሎም: ኣብ ሓጐሱ ክኣትዉ ተዓዲሞም ኢዮም። (ማቴዎስ 25:21, 23 NW) ነቲ ኣብ ዓለም ዝዀነ ፍጻመታትን ናይ ገዛእ ርእሶም ተመክሮታትን ብምርኣይ: መፈጸምታ ናይቲ የሱስ ብዘይርአ መገዲ ኣብ ሓይሊ መንግስቱ ዝህልወሉ ምልክት ተገንዚቦምዎ ኢዮም። ካብ 1919 ኣትሒዞም ከኣ ነቲ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ዝብል ዝዓበየ ናይ የሱስ ትንቢት ኣብ ምፍጻም ክካፈሉ ንቕድሚት ገስጊሶም ኢዮም። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:3-14) እቲ ናብ የሆዋ ዝነበሮም ፍቕሪ ብገለ መገዲ ዝሕል ኢሉ እኳ እንተ ነበረ: ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ግን ሃልሃል ኢሉ ኢዩ።

12. (ሀ) ኣብቲ ብ1922 እተኻየደ ታሪኻዊ ዓቢ ኣኼባ: እንታይ ጻውዒት ኢዩ እተገብረ፧ (ለ) ሓቀኛታት ክርስትያናት ብ1931 እንታይ ዝብል ስም ኢዮም ዝሓዙ: ብዛዕባ እንታይ ኢዮምከ እተናስሑ፧

12 ኣብቲ ካብ 5-13 መስከረም 1922 ኣብ ሴዳር ፖይነት: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ. እተኻየደ 18,000 ክርስትያናት ተኣከብቲ ዝነበርዎ ታሪኻዊ ዓቢ ኣኼባ እቲ መጸዋዕታ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ:- “ኣቱም ደቂ እቲ ልዑል ኣምላኽ ሃየ ናብቲ ግራት ተመለሱ! . . . ዓለም የሆዋ ኣምላኽ ከም ዝዀነ: የሱስ ክርስቶስ ከኣ ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይቶትን ከም ዝዀነ ክትፈልጥ ኣለዋ። . . . ስለዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስቱን ኣውጁ: ኣውጁ: ኣውጁ።” እቲ ክቡር ዝዀነ ስም የሆዋ ኸኣ ውሩይ ክኸውን ከኣለ። እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ብ1931 ኣብ ኮሎምቡስ: ኣሃዮ: ሕ.መ.ኣ. ተኣኪቦም ነታ ኣምላኽ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ዝሓበራ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትብል ስም ክቕበሉ ተሓጐሱ። (ኢሳይያስ 43:10, 12) ንፈጣሪናን መንግስቱን ብቐዳማይ ደረጃ ክብሪ ምእንቲ ክህብ ከኣ ስም ናይቲ ቀንዲ መጽሔት ናይ ማሕበር ኣብቲ ናይ 1 መጋቢት 1931 ሕታሙ ግምቢ ዘብዐኛ መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ዝብል ተቐይሩ ወጸ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ አሐዲሶም: ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ምዕሩግ ስሙን መንግስቱን ከም ዘየኽብሩን ዘየዕብዩን ዝገብሮም ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ዝሓለፈ ጕድለታት ተናስሑ።—መዝሙር 106:6, 47, 48

“ነቲ ዝስዕር”

13. (ሀ) ሰብ ኤፌሶን ምስ ‘ዝስዕሩ’ እንታይ በረኸት ኢዩ ዝጽበዮም ዝነበረ፧ (ለ) እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ ኢዮም ‘ክስዕሩ’ ዝኽእሉ ዝነበሩ፧

13 ኣብ መወዳእታ ድማ የሱስ ከምቲ ኣብቲ ኻልእ መልእኽትታቱ ዝገበሮ: ናብቲ መንፈስ ኣምላኽ ብየሱስ ገይሩ ነቶም እሙናት ኰይኖም እተረኽቡ ዓስቦም ዝህቦም ገጾም ከቕልቡ ይጽውዕ። ንሰብ ኤፌሶን ከምዚ ይብሎም:- “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት [“ንጉባኤታት:” NW] ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ።” (ራእይ 2:7) እቶም ዝሰምዓ ኣእዛን ዘለዎም ድማ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ መልእኽቲ እዚ ካብ የሱስ ዘይኰነስ ካብቲ ልዑል ጐይታ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ወይ መስለጢ ሓይሉ ኣቢሉ ከም ዝመጸ ብምፍላጥ ከቕልብሉ ህንጡያት ኢዮም። ከመይ ኢሎም ኢዮምከ ‘ዝስዕሩ’፧ ኣሰር ናይቲ ክሳዕ ሞት ንጽህንኡ ብምሕላው “ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ክብል ዝኸኣለ የሱስ ጠቢቖም ብምሕላው ኢዩ።—ዮሃንስ 8:28፣ 16:33፣ ከምኡውን 1 ዮሃንስ 5:4 ርአ።

14. እታ የሱስ ዝጠቐሳ “ገነት ኣምላኽ” ንምንታይ እተመልክት ክትከውን ኣለዋ፧

14 እቶም ከም ሰብ ኤፌሶን ዝበሉ ቅቡኣት ክርስትያን ተስፍኦም ኣብ ምድራዊት ገነት ንምንባር ካብ ዘይኰነ: ከመይ ኢሎም ድኣ ኢዮም ዓስቦም ካብታ “ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት” ክበልዑ ዝዋሃቦም፧ እቶም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት: ነቶም ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝነበሩ ሓዊስካ: ከም መንፈሳውያን ውሉዳት ኰይኖም ኣብታ ሰማያዊት ከረን ጽዮን ምስቲ ገንሸል: ክርስቶስ የሱስ: ክገዝኡ ካብ ደቅሰብ እተዓደጉ ብምዃኖም: እዚ ነታ ኣብ ምድሪ እትምለስ ገነት ዘመልክት ኣይኰነን። (ኤፌሶን 1:5-12፣ ራእይ 14:1, 4) ስለዚ ኸኣ እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ነቲ እቶም ዝሰዓሩ ዝወርስዎ ሰማያዊ ኣታኽልቲ መሰል ግዝኣት ዘመልክት ኢዩ። እዞም ዘይመውት ህይወት እተዋህቦም ዝሰዓሩ: ኣብኡ ኣብቲ “ገነት ኣምላኽ:” እወ: ከምቲ ኦም ህይወት ብምብልዖም ተመሲሉ ዘሎ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንዘለኣለም ምንባር ክቕጽሉ ኢዮም።

15. እቲ የሱስ ንኽትስዕር ዝሃቦ መተባብዒ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ብዛዕባ እቶም እሙናት ምድራውያን ደገፍቲ ናይቶም 144,000 ቅቡኣትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እቶም ዓቢ ጭፍራ ብጾት መሰኻኽር እውን ይስዕሩ ኢዮም ዘለዉ። እንተዀነ ግን: ተስፍኦም ኣብታ “ርባ ማይ ህይወት” ዝሰትዩላ: ካብቲ ኣብ ወሰናስን እቲ ርባ ዘላ “ቈጽሊ እታ ኦም” ከኣ ምፍዋስ ዝረኽቡላ ምድራዊት ገነት ንምእታው ኢዩ። (ራእይ 7:4, 9, 17፣ 22:1, 2) ንስኻውን ሓደ ካብዞም ጭፍራ እንተድኣ ዄንካ ልባዊ ፍቕርኻ ንየሆዋ እትገልጽን ኣብቲ ገድሊ እምነት ከኣ እትስዕርን ይግበርካ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘሎ ሓጐስ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ክትረኽቦ ኢኻ።—ምስ 1 ዮሃንስ 2:13, 14 ኣረኣእዮ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይ ሃዋርያት ሓሶት ዝርዝር ሓሳባት ክትረክብ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር እትበሃል ኣብ ኢድ እትተሓዝ መወከሲ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 37-44 ርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 36 ዘሎ ሳጹን]

ናብ የሆዋን ወዱን ዝቐረበ ፍቕራዊ ሞሳ

ኣብቲ ብ1905 ብህዝቢ የሆዋ ተሓቲሙ ዝወጸ ናይ መዝሙር መጽሓፍ: እቲ ንየሱስ ንምውዳስ ዝቐረበ መዝሙር ካብቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ንምውዳስ ዝቐረበ መዝሙር ብኽልተ ዕጽፊ ዝበዝሕ ነበረ። ኣብታ ብ1928 ዝሓተምዋ ናይ መዝሙር መጽሓፎም እቲ ንየሱስ ክብ ዘብል መዝሙራት ብብዝሑ ዳርጋ ማዕረ እቲ ንየሆዋ ዝውድስ መዝሙራት ነበረ። ኣብታ መወዳእታ ብ1984 ዝወጸት ሓዳስ ናይ መዝሙር መጽሓፍ ግን እቲ ንየሆዋ ዘኽብር መዝሙር ብብዝሑ ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይቲ ንየሱስ ዘኽብር ኰይኑ ኣሎ። እዚ ኸኣ ምስቲ የሱስ ባዕሉ “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ” ኢሉ እተዛረቦ ቃል ዝሰማማዕ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:28) እቲ ንየሆዋ ዝዋሃብ ፍቕሪ ዝዓዘዘ ክኸውን ይግባእ: እዚ ኸኣ በቲ ንየሱስ ዝዋሃብ ዓሚቝ ፍቕርን ነቲ ክቡር መስዋእቱ ከምኡውን ነቲ ኣምላኽ ከም ሊቀ ኻህናትን ንጉስን መጠን ሂብዎ ዘሎ ስልጣን ሞሳ ብምርኣይን እተሰነየ ክኸውን ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 34 ዘሎ ሰሌዳ]

የሱስ ምኽሪ ክህብ ከሎ እተጠቕመሉ ኣገባብ

(ምዕራፋትን ቍጽርታትን ናይ መጽሓፍ ራእይ ብምጥቃስ)

ናብ ጉባኤ ምኽሪ ንምሃብ ናይ መእተዊ ጸገም ምእራም እተላእከ ዘለዎ ንእዶ ብንጹር ከምኡውን/ወይ ዝርከብ መልእኽቲ ስልጣን ይፍለጥ ምትብባዕ በረኸት

ኤፌሶን 2:1 2:2, 3 2:4 2:5, 6 2:7

ስሚርና 2:8 2:92:10 2:11

ጴርጋሞስ 2:12 2:13 2:14, 15 2:16 2:17

ቲያቲራ 2:18 2:19 2:20, 21 2:24, 25 2:26-28

ሳርዴስ 3:13:1, 2 3:3, 4 3:5

ፊላደልፍያ 3:7 3:83:8-11 3:12

ሎዲቅያ 3:143:15-17 3:18-20 3:21