ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነታ ነውራም ኣመንዝራ ምፍራድ

ነታ ነውራም ኣመንዝራ ምፍራድ

ምዕራፍ 33

ነታ ነውራም ኣመንዝራ ምፍራድ

ትርኢት 11​—ራእይ 17:1-18

ቀንዲ መልእኽቲ:- ዓባይ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብ መወዳእታ ተሰልቢጡ ዘጥፍኣ ቀይሕ ኣራዊት ትውጣሕ

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ካብ 1919 ክሳዕ እቲ ዓቢ ጸበባ

1. ሓደ ካብቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ንዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝገልጸሉ፧

 እተን ጻድቕ ቍጥዓ የሆዋ ዝሓዛ ሸውዓተ ጽዋኣት ብምሉአን ክፈሳ ኣለወን! እቲ ሻድሻይ መልኣኽ ጽውኡ ኣብቲ ጥንታዊት ባቢሎን ዝነበረትሉ ቦታ ምፍሳሱ: ፍጻመታት ናብ መወዳእታ ውግእ ኣርማጌዶን ገጹ እናቐልጠፈ ብዝኸደ መጠን: ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ክወርድ ዘለዎ መዓት ኢዩ ዘመልክት። (ራእይ 16:1, 12, 16) ሕጂ እዚ መልኣኽ እዚ ባዕሉ ኢዩ ዝኸውን የሆዋ ስለምንታይን ብኸመይን ነቲ ጻድቕ ፍርድታቱ ከም ዝፍጽሞ ዝገልጽ። ዮሃንስ በቲ ቐጺሉ ዝሰምዖን ዝርእዮን ኣዝዩ ኢዩ ዝድነቕ: ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ካብቶም ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጺኡ፤ ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስ: ንዓ ነጀው። ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም: ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም: እናበለ ተዛረበኒ።”—ራእይ 17:1, 2

2. እታ “ዓባይ ኣመንዝራ” (ሀ) ጥንታዊት ሮማ ከም ዘይኰነት: (ለ) ዓቢ ንግዲ ከም ዘይኰነት: (ሐ) ሃይማኖታዊት ኣካል ከም ዝዀነት: እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

2 “ዓባይ ኣመንዝራ”! ከምዚ ዝበለ ዘሰንብድ መጸውዒ እተዋህባስ ስለምንታይ ኢዩ፧ ንሳኸ መን ኢያ፧ ገለ ሰባት እዛ ምሳልያዊት ኣመንዝራ እታ ጥንታዊት ሮሜ ኢያ ይብልዋ። ሮሜ ግን ፖለቲካዊት ሓይሊ ኢያ ነይራ። እዛ ኣመንዝራ እዚኣ ምስ ነገስታት ምድሪ እትምንዝር ኢያ: እዚ ኸኣ ንነገስታት ሮሜውን ዘጠቓለለ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ብድሕሪ ጥፍኣታ “ነገስታት ምድሪ” ብምጥፍኣ ከም ዝሓዝኑ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ ፖለቲካዊት ሓይሊ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ። (ራእይ 18:9, 10) ብተወሳኺ ድማ: እቶም ናይ ዓለም ነጋዶውን ስለ ዝሓዝኑላ ንዓቢ ንግዲ ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢያ። (ራእይ 18:15, 16) እንተዀነ ግን: ‘ዅሎም ኣህዛብ ብጥንቍልንኣ ስሒቶም’ ዝብል ነንብብ ኢና። (ራእይ 18:23) እዚ ኸኣ እዛ ዓባይ ኣመንዝራ: ዓለምለኸ ሃይማኖታዊት ኣካል ክትከውን ከም ዘለዋ ርዱእ ይገብሮ።

3. (ሀ) እታ ዓባይ ኣመንዝራ ካብ ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን አረ ካብ ብምልእታ ህዝበ-ክርስትያን እውን ከይተረፈ ንላዕሊ ከተመልክት ዘለዋ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ መብዛሕትኡ ምብራቓዊ ሃይማኖታትን ኣብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣንቆራታትን እንታይ ባቢሎናዊ ሰረተ-እምነታት ኢዩ ዘሎ፧ (ሐ) ብዛዕባ መበቆል መብዛሕትኡ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሰረተ-እምነታትን ጽምብላትን ልምድታትን እቲ ጆን ሄንሪ ኒውማን እተባህለ ናይ ሮማዊት ካቶሊክ ካርዲናል እንታይ ኢሉ ኢዩ እተኣመነ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

3 ኣየነይቲ ሃይማኖታዊት ኣካል ኢያ፧ ከምቲ ገሊኣቶም ዝብልዎ ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ድያ፧ ወይስ ብምልእታ ህዝበ-ክርስትያን ኢያ፧ ኣይፋላን: ንዅሎም ኣህዛብ ከተስሕቶም እንተድኣ ዀይና: ካብዚኣተን ዝዓበየት ክትከውን ኣለዋ። ናይ ብዘላ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኢያ። መበቈላ ኣብቲ ምስጢራት ባቢሎን ከም ዝዀነ: እቲ ኣብ ኵለን ናይ ዓለም ሃይማኖታት ልሙድ ዝዀነ ባቢሎናዊ ሰረተ-እምነታትን ተግባራትን የርኢ። ንኣብነት: ሰብኣዊት ነፍሲ ከም ዘይትመውት: ኣብ ሲኦል ምስቓይን ናይ ስላሴ ኣማልኽትን ዝኣመሰለ እምነታት ኣብ መብዛሕትኡ ምብራቓዊ ሃይማኖታት ከምኡውን ኣብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣንቆራታት ኣሎ። እቲ 4,000 ዓመታት ይገብር ኣብ ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን ዝጀመረ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ሕጂ እናማዕበለ ኣብዚ ዓባይ ባቢሎን ዝብል ብቑዕ ስም ተዋሂቡዎ ዘሎ ግዙፍ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። a በዚ “ዓባይ ኣመንዝራ” ዝብል ዝጽላእ መጸውዒ ትጽዋዕ ዘላ ግን ስለምንታይ ኢያ፧

4. (ሀ) ጥንታዊት እስራኤል በየናይ መገድታት ኢያ ዝመንዘረት፧ (ለ) ዓባይ ባቢሎን በየናይ ሓለፍ ዝበለ መገዲ ኢያ ዝመንዘረት፧

4 ባቢሎን (ወይ ከኣ ባቤል ትርጕሙ “ሕንፍሽፍሽ”) ብግዜ ነቡካድነጻር ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ዕቤት በጽሐት። ካብ ሽሕ ንላዕሊ ኣብያተ መቓድስን ኣብያተ ጸሎትን ዝነበራ ሃይማኖተ-ፖለቲካዊት መንግስቲ ኢያ ነይራ። ቤተ ክህነታ ዓቢ ስልጣን ነበሮ። ባቢሎን ከም ሓይሊ ዓለም ካብ እተቋርጽ ነዊሕ እኳ እንተገበረት: ሃይማኖታዊት ዓባይ ባቢሎን ግን ኣላ፣ ነታ ናይ ጥንቲ ብምኽታል ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጽልዋ ክትገብርን ክትጠዋውን ትደሊ ኣላ። ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ኸሎ ግን ኣምላኽ ይሰምሮዶ ኢዩ፧ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: እስራኤል ምስ ሓሶት ኣምልኾ ክትሓብር: ኣብ ክንዲ ኣብ የሆዋ ምውካል ከኣ ምስ ኣህዛብ ኪዳን ክትኣቱ ከላ: መንዚራ ይብላ ነበረ። (ኤርምያስ 3:6, 8, 9፣ ህዝቅኤል 16:28-30) ዓባይ ባቢሎን እውን ትምንዝር ኢያ። ሓለፍ ዝበለ ኸኣ: ኣብ ልዕሊ እቶም ዝገዝኡ ነገስታት ምድሪ ጽልዋን ስልጣንን ንምርካብ: የድሊ ኢዩ ኢላ ዝሓሰበቶ ነገር ገይራ ኢያ።—1 ጢሞቴዎስ 4:1

5. (ሀ) ናይ ሃይማኖት ኣቕሽሽቲ ዘስተማቕርዎ ዘለዉ ምርኡይ ቦታታት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዓለማዊ መገዲ ምርኡይ ክትከውን ምብሃግ ኣንጻር ቃላት የሱስ ክርስቶስ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ሎሚ መራሕቲ ሃይማኖት ብዙሕ ግዜ ዝለዓለ ናይ መንግስቲ ስልጣን ንምርካብ ይወዳደሩ፣ ኣብ ገሊአን ሃገራት ከኣ ኣብ ካቢነ ቦታ ብምሓዝ ከይተረፈ: ኣብ መንግስቲ ገለ እጃም ኣሎዎም። ብ1988 ክልተ ኣዝዮም ፍሉጣት ናይ ፕሮተስታንት ኣቕሽሽቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ፕረዚደንት ንምዃን ተወዳደሩ። ኣብ ዓባይ ባቢሎን ዘሎዉ መራሕቲ ምርኡያት ክዀኑ ይፈትዉ ኢዮም፣ ብዙሕ ግዜ ስእልታቶም ኣብ ጋዜጣታት ምስ ፍሉጣት ፖለቲካውያን ሓቢሮም ይርአ። ምስ እዚ ብምንጽጻር: የሱስ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ካብ ምእታው ርሒቑ ኢዩ: ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ።—ዮሃንስ 6:15፣ 17:16፣ ማቴዎስ 4:8-10፣ ከምኡውን ያእቆብ 4:4 ርአ።

ዘመናዊ ‘ምንዝርና’

6, 7. (ሀ) ናይ ሂትለር ናይ ናዚ ሰልፊ ኣብ ጀርመን ስልጣን ዝሓዘ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ቫቲካን ምስ ናይ ጀርመን ናዚ ዝገበረቶ ውዕል: ኣብቲ ሂትለር ናይ ዓለም ገዛኢ ክኸውን ዝገብሮ ዝነበረ ምድፍፋእ ብኸመይ ደገፎ፧

6 እዛ ዓባይ ኣመንዝራ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ብምእታዋ: ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ እዚ ዘይብሃል ሓዘን ኣምጺኣ ኢያ። ንኣብነት: ኣብ ጀርመን እቲ ንሂትለር ኣብ ስልጣን ንኽድይብ ዝደገፎ ጭብጥታት ንመልከት: ኣዝዩ ግናይ ብምንባሩ ገለ ሰባት ካብ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ክሓክዎ ኣይምጸልኡን። ግንቦት 1924 እቲ ናይ ናዚ ሰልፊ ኣብ ናይ ጀርመን ራይክስታግ 32 መናብር ሓዘ። ብግንቦት 1928 ኣብ 12 መናብር ወረደ። ይኹን እምበር: ብ1930 ንዓለም እቲ ዓቢ ክሳራ ኣጥለቕለቓ፣ እዚ ደድሕሪ ምሕላፉ ናይ ናዚ ሰልፊ ብርኡይ ተበራበረ እሞ: ኣብቲ ብሓምለ 1932 እተገብረ ናይ ጀርመን ምርጫ ካብቲ ዝነበረ 608 መናብር 230 መናብር ረኸበ። ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: እቲ ካብ ጳጳስ መዓርግ ፈረሰኛ ወተሃደር እተቐበለ: ቀደም ናይ ጀርመን ቻንስለር ዝነበረ ፍራንዝ ቮን ፓፐን ናዚ ንምድጋፍ ተዓጥቀ። ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም ዝብልዎ ቮን ፖፐን ሓንቲ ሓዳስ ቅድስቲ ሮማዊት ሃጸይ ኢያ ተራእያቶ። እቲ ከም ቻንስለር ኰይኑ ዝሰርሓሉ ሓጺር እዋን ዕዉት ኣይነበረን: ስለዚ ሕጂ ብናዚ ኣቢሉ ስልጣን ክረክብ ተስፋ ገበረ። ብጥሪ 1933 ካብቶም ናይ ኢንዳስትሪ ወነንቲ ንሂትለር ዝድግፉ ሰባት ድሮ ኣኪቡ ነበረ: ጕርሒ ብዝመልኦ ውዲት ከኣ 30 ጥሪ 1933 ሂትለር ናይ ጀርመን ቻንስለር ከም ዝኸውን ገበረ። ንሱ ንገዛእ ርእሱ ምክትል ቻንስለር ኰነ: ሂትለር ከኣ ደገፍ ናይቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ካቶሊክ ንኽረክብ ተጠቕመሉ። ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ: ሂትለር ንባይቶ ኣፍረሰ: ንኣሽሓት ናይ ተቓወምቲ መራሕቲ ናብ መዳጐኒ ደምበታታት ሰደዶም: ንኣይሁድ ንምግፋዕ ከኣ ግሁድ ወፈራ ጀመረ።

7 ቫቲካን ኣብቲ እናማዕበለ ዝኸይድ ዝነበረ ስልጣን ናይ ናዚ ዝነበራ ተገዳስነት: ብ20 ሓምለ 1933 ኣብ ሮማ ካርዲናል ፖቸሊ (እቲ ዳሕራይ ጳጳስ ፕዮስ መበል 12 ዝዀነ) ኣብ መንጎ ቫቲካንን ናዚ ጀርመንን ውዕል ምስ ፈረመ ተራእየ። ቮን ፖፐን ከም ናይ ሂትለር ወኪል ኰይኑ ነቲ ሰነድ ፈረሞ: ፖቸሊ ኸኣ ንቮን ፖፐን እቲ ዝለዓለ ናይ ጳጳስ ሽልማት: ዓቢ መስቀል ናይ ስርዓተ ፕዮስ ሸለሞ። b ቲቦር ኰይቭስ ኣብታ ሰይተን ኢን ቶፕ ሃት (እንግሊዝኛ) እተባህለት መጽሓፉ: ብዛዕባዚ ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ ይብል:- “እቲ ውዕል ንሂትለር ዓቢ ዓወት ኢዩ ነይሩ። ካብ ወጻኢ ዓለም ቀዳማይ ሞራላዊ ደገፍ ሃቦ: እዚ ኸኣ ካብቲ ዝለዓለ ምንጪ ነበረ።” እቲ ውዕል: ነቲ ቫቲካን ንናይ ጀርመን ካቶሊክ ማእከላዊ ሰልፊ እትህቦ ደገፍ ከተቋርጽ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ: በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ናይ ሂትለር “ጠቕላላዊ መንግስቲ” ሓደ ሰልፊ ጥራይ ንኽኸውን ኣፍቀደ። c ብተወሳኺ: እታ መበል 14 ዓንቀጽ ከምዚ በለት:- “ምምዛዝ ናይ ሊቀ-ጳጳሳት: ኣቡናትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን እቲ ብራይክ እተሸመ ኣመሓዳሪ: ብዛዕባ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ጕዳያት ዝምልከት ዘጠራጥር ከም ዘየልቦ ምስ ኣረጋገጸ ጥራይ ኢዩ ዝፍጸም።” ኣብ መወዳእታ ናይ 1933 (ብጳጳስ ፕዮስ መበል 11 “ቅድስቲ ዓመት” ተባሂላ እተሰምየት) ነቲ ሂትለር ናይ ዓለም ገዛኢ ክኸውን ዝገብሮ ዝነበረ ምድፍፋእ ናይ ቫቲካን ደገፍ ዓቢ ረቛሒ ኰይንዎ ነበረ።

8, 9. (ሀ) ቫቲካን ከምኡውን ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያንን ኣቕሽሽታን ንናይ ናዚ ጨካን ምልኪ ብኸመይ መለሱሉ፧ (ለ) እቶም ጀርመናውያን ናይ ካቶሊክ ኣቡናት ኣብ ምጅማር ካልኣይ ውግእ ዓለም እንታይ ኢሎም ጽሓፉ፧ (ሐ) ሃይማኖተ-ፖለቲካዊ ዝምድናታት እንታይ ኣስዓበ፧

8 ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ካህናትን ደናግልን ንናይ ሂትለር ጭከና እኳ እንተ ተቓወምዎን ብእኡ ምኽንያት ድማ እንተ ተሳቐዩን: ቫቲካን ከምኡውን ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያንን ናይ ካህናት ሰራዊታን ግን: ናይ ናዚ ምልኪ ነቲ ኣብ ዓለም ዝነበረ ግስጋሰ ኮምኒዝም ከም ዕርዲ ዀይኑ ዝከላኸል ገይሮም ስለ ዝረኣይዎ ብግሁድ ይኹን ብስዉር ደገፎም ሂቦም ኢዮም። ጳጳስ ፕዮስ መበል 12 ንርእሱ ብዘይ ሽግር ኣብ ቫቲካን ብምንባሩ: እቲ ናይ ኣይሁድ ህልቂትን እቲ ጨካን መስጐግቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ካልኦትን ብዘይ ዋላ ሓንቲ ወቐሳ ክቕጽል ሓደጎ። ብግንቦት 1987 ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ጀርመን ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ: ንቕንዕና ናይ ሓደ ካህን ኣንጻር ስርዓት ናዚ ዘርኣዮ ኣቕዋም ምውዳሱ ስግንጢር ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ሂትለር ናይ ሽበራ ግዝኣት ዝነበረሉ እዋን እቶም ካልኦት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ ጀርመን ካህናት እንታይ ይገብሩ ነይሮም፧ እታ ብመስከረም 1939 ኣብ ምጅማር ካልኣይ ውግእ ዓለም ብናይ ጀርመን ካቶሊክ ኣቡናት እተጻሕፈት ናይ ጕስነት ደብዳበ ነቲ ጉዳይ ተብርሆ ኢያ። ብኸፊል ከምዚ ትንበብ:- “ኣብዚ ወሳኒ ዝዀነ ሰዓት እዚ: ንካቶሊክ ዝዀኑ ወተሃደራትና ንፉህሬር ብምእዛዝ ግቡኦም ክፍጽሙ: ኵለንትንኦም ንምስዋእ ድማ ድሉዋት ክዀኑ ንምዕዶም ኣሎና። እዚ ውግእ እዚ ብመለኮታዊ ደገፍ ናብ እተባረኸ ዓወት ምእንቲ ከምርሕ: እቶም እሙናት ብዓሚቝ ጸሎት ክሓብሩና ንምሕጸኖም ኣሎና።”

9 እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ካቶሊክ ዲፕሎማሲ: እቲ ሃይማኖት ኣብ ዝሓለፈ 4,000 ዓመታት: ስልጣንን ጥቕምን ንምርካብ ምስ ፖለቲካዊ መንግስቲ ፍቕሪ ብምምስራት ተጸሚዱሉ ዝጸንሐ ዓይነት ምንዝርና ዘብርህ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃይማኖተ-ፖለቲካዊ ዝምድናታት: መጠነ-ሰፊሕ ዝዀነ ውግእን መስጐግትን ሰብኣዊ ሽግርን ኣማዕበለ። እቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ዓባይ ኣመንዝራ ዝወርድ ፍርድታት የሆዋ ኣዝዩ ቀሪቡ ምዃኑስ: ደቅሰብ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ክሕጐሱ ዝኽእሉ። ቀልጢፉ ዝፍጸም ይግበሮ!

ኣብ ብዙሕ ማያት ምቕማጥ

10. እቲ ዓባይ ባቢሎን ክትዕቈበሉ እትደሊ “ማያት” እንታይ ኢዩ: እንታይከ ይዀኑ ኣለዉ፧

10 ጥንታዊት ባቢሎን ኣብ ብዙሕ ማያት—ኣብ ርባ ኤፍራጥስን ኣብ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዝነበሮም ወሓይዝን—ተቐሚጣ ነበረት። እዚኣቶም ክሳዕ እቲ ብሓንቲ ለይቲ ዝነጸፉሉ ግዜ: ዕቝባን ምንጭን ናይቲ ሃብቲ ዘምጽእ ንግዲ ኰይኖማ ነበሩ። (ኤርምያስ 50:38፣ 51:9, 12, 13) ዓባይ ባቢሎንውን ዘዕቝብዋን ዘሀብትምዋን “ማያት” ትደሊ ኢያ። እዞም ምሳልያውያን ማያት እዚኣቶም “ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ኢዮም: እዚ ማለት ከኣ ኵሎም እቶም ካብኦም ስጋዊ ደገፍ እትረክብ ብኣሽሓት ሚልዮናት ዝቝጸሩ እትገዝኦም ሰባት ኢዮም። እንተዀነ ግን: እዞም ማያት እዚኣቶምውን ይነጽፉ ወይ ደገፎም የቋርጹ ኣለዉ።—ራእይ 17:15፣ ምስ መዝሙር 18:4፣ ኢሳይያስ 8:7 ኣረኣእዮ።

11. (ሀ) ጥንታዊት ባቢሎን ‘ንብዘላ ምድሪ ዘስከረታ’ ከመይ ገይራ ኢያ፧ (ለ) ዓባይ ባቢሎን ‘ንብዛላ ምድሪ ዘስከረታ’ ብኸመይ ኢያ፧

11 ብተወሳኺ: ጥንታዊት ባቢሎን ከም “ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር [ዝነበረት] ንብዘላ ምድሪ እተስክር ጽዋእ ወርቂ” ኢያ ተገሊጻ። (ኤርምያስ 51:7) ጥንታዊት ባቢሎን ነቶም ጐረባብቲ ሃገራት ከም ዝሰኸሩ ሰብኡት ድኹማት ብምግባር ብወተሃደራዊ ሓይሊ ድሕሪ ምስዓራ: ናይ የሆዋ መግለጺ ቝጥዓ ከም ዝሰትዩ ገበረቶም። በዚ መገዲ እዚ ናይ የሆዋ መሳርሒት ኢያ ነይራ። ዓባይ ባቢሎን እውን ናይ መላእ ዓለም ሃጸይ ክሳዕ ምዃን ስዕረታት ፈጺማ ኢያ። ብርግጽ ግን ናይ ኣምላኽ መሳርሒት ኣይኰነትን። የግዳስ ነቶም ሃይማኖታዊ ምንዝርና ምስኣ ዝፍጽሙ “ነገስታት ምድሪ” ኢያ ዘገልገለት። ነቶም “ኣብ ምድሪ ዝነብሩ” ሓፋሽ ህዝቢ ከም ስኹራት ሰብኡት ድኹማት ኰይኖም ብዘይ ገለ ተቓውሞ ንገዛእቶም ምእዙዛት ከም ዝዀኑ ንምግባር: ነቲ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታትን ነቲ ባርነት ዝዀነ ልምድታታን ብምጥቃም ነዞም ነገስታት እዚኣቶም ባህ ኣቢላቶም ኢያ።

12. (ሀ) ኣብ ጃፓን ዘሎ ሓደ ክፋል ናይ ዓባይ ባቢሎን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዙሕ ደም ንምፍሳስ ምኽንያት ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ጃፓን እቲ ንዓባይ ባቢሎን ዝድግፍ ዝነበረ ‘ማያት’ ዝነጸፈ ብኸመይ ኢዩ: ምስ እንታይ ፍረኸ፧

12 ርኡይ ኣብነት ናይዚ እቲ ናይ ጃፓን ሺንቶ ኢዩ። እቲ እተሰብከ ጃፓናዊ ወተሃደር: ህይወቱ ነቲ ሃጸይ—እቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ናይ ሺንቶ ኣምላኽ—ክህብ ከም መወዳድርቲ ዘይብሉ ክብሪ ገይሩ ኢዩ ዝቘጽሮ ነይሩ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ገለ 1,500,000 ዝዀኑ ጃፓናውያን ወተሃደራት ኣብ ውግእ ሞቱ፣ ዳርጋ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ምምራኽ ከም ውርደት ይርእይዎ ነበሩ። ጃፓን ምስ ተሳዕረት ግን ሃጸይ ሂሮሂቶ: እቲ መለኮታዊ ኢየ ዝብሎ ዝነበረ: ብወግዒ ክሓድጐ ተገደደ። እዚ: ነቲ ሓደ ክፋል ናይ ዓባይ ባቢሎን ዝዀነ ሺንቶ ዝድግፍ ዝነበረ ‘ማያት’ ብርኡይ ከም ዝነጽፍ ገበሮ—ዘሕዝን ግን እምነት ሺንቶ ኣብቲ መድረኽ ውግእ ናይ ሰላማዊ ውቕያኖስ ብዙሕ ደም ከም ዝፈስስ ድሕሪ ምግባሩ ምዃኑ ኢዩ! ናይ ሺንቶ ጽልዋ እናተዳኸመ ምኻዱ እውን ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ልዕሊ 200,000 ዝዀኑ ጃፓናውያን መብዛሕትኦም ቀደም ኣመንቲ ሺንቶን ቡድሂስትን ዝነበሩ: ህይወቶም ዝወፈዩን: እተጠምቁን ኣገልገልቲ ናይቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ክዀኑ መገዲ ከፊቱ ኢዩ።

እታ ኣመንዝራ ሓደ ኣራዊት ትውጣሕ

13. እቲ መልኣኽ ብሓይሊ መንፈስ ናብ በረኻ ምስ ወሰዶ: ዮሃንስ እንታይ ዘገርም ትርኢት ኢዩ ዝርኢ፧

13 እቲ ትንቢት ቀጺሉ ብዛዕባ እታ ዓባይ ኣመንዝራን ብዛዕባ መጻኢኣን እንታይ ኢዩ ዝቐልዕ፧ ሕጂ ተወሳኺ ንጹር ትርኢት ኢዩ ዝርአ: ዮሃንስ ከኣ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ብመንፈስ ድማ [እቲ መልኣኽ] ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርኤኹ።”—ራእይ 17:3

14. ዮሃንስ ኣብቲ በረኻ ምውሳዱ ዝሰማማዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ዮሃንስ ናብ በረኻ እተወስደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣቐድም ኣቢሉ ኣንጻር ጥንታዊት ባቢሎን እተኣወጀ ናይ ጥፍኣት ኣዋጅ “ጾር ብዛዕባ በረኻ ባሕሪ” ዝብል መግለጺ ተዋሂብዎ ነይሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 21:1, 9) እዚ: ጥንታዊት ባቢሎን ምስቲ ዅሉ ማያዊ መከላኸሊኣ ሓደ ግዜ ህይወት ዘይብላ ባድም ከም እትኸውን ግቡእ መጠንቀቕታ ሃበ። ዮሃንስ መጻኢ ናይ ዓባይ ባቢሎን ክርኢ ናብ በረኻ ምውሳዱ እምበኣር ምስዚ ዝሰማማዕ ኢዩ። ንሳውን ባድማን በረኻን ክትከውን ኣለዋ። (ራእይ 18:19, 22, 23) ዮሃንስ ግን በቲ ኣብኡ ዝረኣዮ ደንጽይዎ ኢዩ። እታ ዓባይ ኣመንዝራ በይና ኣይኰነትን ዘላ! ኣብ ልዕሊ ሓደ ዘፍርሕ ኣራዊት ተቐሚጣ ኣላ!

15. ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ራእይ 13:1 ዘሎ ኣራዊትን እቲ ኣብ ራእይ 17:3 ዘሎ ኣራዊትን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧

15 እዚ ኣራዊት እዚ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣሎዎ። እሞ ምስቲ ዮሃንስ ኣቐድም ኣቢሉ ዝረኣዮ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘሎዎ ኣራዊት ሓደ ድዩ፧ (ራእይ 13:1) ኣይፋሉን: ፍልልይ ኣሎዎም። እዚ ኣራዊት እዚ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኢዩ: ከምቲ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ዘውድታት ኣሎዎ ኣይተባህለሉን። ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣብ ሸውዓተ ርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ “ስማት ጸርፊ ዝመልኦ” ኢዩ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ዝዀነ ዀይኑ: ኣብ መንጎ እዚ ሓድሽ ኣራዊትን እቲ ቐዳማይን: ዝምድና ክህሉ ኣለዎ፣ እቲ ምምስሳሎም አጸቢቑ ዝርአ ብምዃኑ ብኣጋጣሚ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።

16. መንነት ናይቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት እንታይ ኢዩ: ብዛዕባ ዕላምኡኸ እንታይ ኢዩ ተባሂሉ፧

16 እሞኸ: እዚ ሓድሽ ቀዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት እንታይ ኢዩ፧ እዚ ብምድፍፋእ እቲ ናይ ገንሸል ዝመስል ክልተ ቐርኒ ዘሎዎ ናይ ኣንግሎ-ኣመሪካ ኣራዊት ዝመጸ ምስሊ እቲ ኣራዊት ክኸውን ኣለዎ። እቲ ምስሊ ምስ ተሰርሐ: እቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ክህቦ ተፈቕደሉ። (ራእይ 13:14, 15) ሕጂ ዮሃንስ ነቲ ህያው ኰይኑ ዘተንፍስ ዘሎ ኣራዊት ይርእዮ። እዚ ነቲ ብ1920 እቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ኣብ ህይወት ዘምጽኦ እተኣሳሰራ መንግስታት ኢዩ ዝምሰል። ናይ ሕ.መ.ኣ. ፕረዚደንት ዊልሰን እትኣሳሰራ መንግስታት “ንዅሎም ሰባት ናይ ፍትሒ መጋባኣያ ክዀኖም ኢዩ ከምኡውን ናይ ውግእ ስግኣት ንዘለኣለም ክጸርግ ኢዩ” ዝብል ተስፋ ነበሮ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከም ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ድሕሪ ምትንስኡ: ናይ ቅዋሙ ዕላማ “ኣህጉራዊ ሰላምን ደሓንን ንምዕቃብ” ከም ዝዀነ ገለጸ።

17. (ሀ) እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ምሳልያዊ ኣራዊት ስማት ጸርፊ ዝመልኦ በየናይ መገዲ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ተወጢሓ ዘላ መን ኢያ፧ (ሐ) ባቢሎናዊ ሃይማኖት ካብ መጀመርትኡ ምስ እተኣሳሰራ መንግስታትን ምስታ መተካእትኣን ርክብ ዝገበረት ብኸመይ ኢዩ፧

17 እዚ ምሳልያዊ ኣራዊት ስማት ጸርፊ ዝመልኦ በየናይ መገዲ ኢዩ፧ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ብመንግስቱ ጥራይ ዝፍጽሞ ነገራት ንምግባር: ነዚ ሕብረ-ሃገራዊ ጣኦት እዚ ከም መተካእታ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ብምቛሞም ኢዩ። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 12:18, 21) ነቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ትርኢት ዝያዳ ጕሉሕ ዝገብሮ ግን: ዓባይ ባቢሎን ኣብቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ምውጥሓ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ትንቢት: ባቢሎናዊ ሃይማኖት ብፍላይ ህዝበ-ክርስትያን: ምስ እተኣሳሰራ መንግስታትን ምስታ መተካእታኣን ርክብ ገበረት። ኣቐዲሙ ብ18 ታሕሳስ 1918 እዚ ሎሚ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያናት ክርስቶስ ኣብ ኣመሪካ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ኣካል ሓደ ኣዋጅ ኣመሓላለፈ: ብኸፊል ከኣ ከምዚ ይብል:- “ከምዚ ዝኣመሰለ ማሕበር ፖለቲካዊ ጥቕሚ ጥራይ ኣይኰነን፣ የግዳስ ፖለቲካዊ መግለጺ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኢዩ። . . . ቤተ-ክርስትያን ናይ ደገፍ መንፈስ ክትህብ ኢያ: ብዘይ እዚ ደገፍ እዚ ዝዀነት ትኹን እተኣሳሰራ መንግስታት ክትቅጽል ኣይትኽእልን ኢያ። . . . እተኣሳሰራ መንግስታት ኣብ ወንጌል እተመስረተት ኢያ። ከምቲ ናይ ወንጌል ዕላምኣ ‘ሰላም ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ ሰባት’ ዝብል ኢዩ።”

18. ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ንእትኣሳሰራ መንግስታት ደገፎም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

18 ብ2 ጥሪ 1919 ሳንፍራንሲስኮ ክሮኒክል (እንግሊዝኛ) ኣብ ናይ ቀዳማይ ገጽ ኣርእስቱ “ጳጳስ እቲ ናይ ዊልሰን እተኣሳሰራ መንግስታት ክጸድቕ ልማንኡ ኣቕረበ” ዝብል ኣርእስቲ ኣውጽአ። ብ16 ጥቅምቲ 1919 ብ14,450 ኣቕሽሽቲ ናይተን ፍሉጣት ሃይማኖታት እተፈረመ ኣቤቱታ: ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ናይ ሕ.መ.ኣ. ቐረበ: ትሕዝቶኡ ድማ እቲ ባይቶ “ነቲ ንኪዳን እተኣሳሰራ መንግስታት ዝጠርነፈ ናይ ፓሪስ ውዕል ሰላም ክፍርም” ዝሓትት ነበረ። ባይቶ ናይ ሕ.መ.ኣ. ነቲ ውዕል እኳ እንተዘይፈረመሉ: ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ንእትኣሳሰራ መንግስታት ንምድጋፍ ጐስጓስ ምግባር ቀጸሉ። እተኣሳሰራ መንግስታትከ ብኸመይ ተመረቐት፧ ካብ ስዊዘርላንድ እተዘርግሐ 15 ሕዳር 1920 ዝዕለቱ ዜና ከምዚ ይንበብ:- “ቀዳማይ ኣኼባ ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ከም እተኸፍተ: ሎሚ ንግሆ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ: ደወል ናይ ኵለን ቤተ-ክርስትያናት ጀነቫ ብምድዋል ተኣወጀ።”

19. እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ምስ ተቐልቀለ: እቲ ክፍሊ ዮሃንስ እንታይ ሰጕምቲ ወሰደ፧

19 እቲ ምምጻእ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝጽበ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓደ ጕጅለ ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ክብሪ ኣብ ምሃብ ምስ ህዝበ-ክርስትያንዶ ሓቢሩ ኢዩ፧ ፈጺሙ ኣይሓበረን! እቲ ኣብ ሰዳር ፖይንት ኦሃዮ ሰንበት 7 መስከረም 1919 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ናይ ህዝቢ የሆዋ: “ተስፋ ናይ እተጨነቑ ሰባት” ዝብል ህዝባዊ ዝርርብ ነበሮ። ንጽብሒቱ እቲ ናይ ሳንዱስኪ ስታር-ጆርናል (እንግሊዝኛ): ነቲ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ንዳርጋ 7,000 ዝዀኑ ሰባት ዝሃቦ ዝርርብ ጸብጻብ ከቕርብ ከሎ “ጐይታ ንእተኣሳሰራ መንግስታት ብቕሬታ ከም ዝምልከታ እተረጋገጸ ኢዩ . . . ምኽንያቱ ኸኣ እቶም ንኣምላኽ ንውክሎ ኢና ዝብሉ ኣቕሽሽቲ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ናቱ ውጥን ሓዲጎም: ንእተኣሳሰራ መንግስታት ከም ፖለቲካዊ መግለጺ መንግስቲ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኢሎም እናወደሱ ብምቕባሎም ኢዩ።”

20. ኣቕሽሽቲ ንእተኣሳሰራ መንግስታት “ፖለቲካዊ መግለጺ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ” ኢሎም ምውዳሶም ጸርፊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

20 እቲ ሕማቕ ኣወዳድቓ ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ስርሓት-ሰብ ዝዀና ኣካላት: ክፍሊ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ከም ዘይኰና ነቶም ኣቕሽሽቲ ከመልክተሎም ይግባእ። ከምኡ ክብሉሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ጸርፊ ኰን ኢዩ! ከምኡ ምባል ኣምላኽ ክፍሊ ናይቲ ደሓር ኣብ እተኣሳሰራ መንግስታት እትራእየ ግስርጥና ከም ዝነበረ ኢዩ ዘምስል። ኣምላኽ ግን “ግብሩ ፍጹም እዩ።” እቲ ሰላም ዘምጽኣሉ ከምኡውን ፍቓዱ ከምቲ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ዝገብረሉ መሳርሒ: እታ ብክርስቶስ እትመሓደር ሰማያዊት መንግስቲ የሆዋ ደኣ እምበር በዞም መብዛሕትኦም ኢዘሀራውያን ዝዀኑ ኣብ ንሓድሕዶም ዝታረኹ እኽብካብ ፖለቲካውያን ኣይኰነን።—ዘዳግም 32:4፣ ማቴዎስ 6:10

21. እታ ዓባይ ኣመንዝራ ነታ መተካእታ እተኣሳሰራ መንግስታት ዝዀነት ሕቡራት ሃገራት ከም እትድግፋን ከም እተድንቓን እንታይ የርኢ፧

21 እታ መተካእታ እትኣሳሰራ መንግስታት ዝዀነት ሕቡራት ሃገራትከ፧ ነዛ ኣካል እዚኣውን ካብ መጀመርታኣ እታ ዓባይ ኣመንዝራ ኣብ ዝባና ብምውጣሕ: ብርእዮ ምስኣ እናሓበረት ንመጻኢኣ ክትመርሕ ፈቲና ኢያ። ንኣብነት ኣብቲ ብሰነ 1965 እተገብረ ናይ መበል 20 ዓመታ ዝኽሪ: ንኽልተ ሽሕ ሚልዮን ዝኣኽሉ ህዝቢ ምድሪ ንውክል ኢና ዝብሉ ወከልቲ ናይ ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያንን ናይ ምብራቓዊ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያንን: ምስ ናይ ፕሮተስታንትን ኣይሁድን ሂንዱን ቡድሂስትን ኣስላምን ብሓደ ኰይኖም ንሕቡራት ሃገራት ዘሎዎም ደገፍን ኣድናቖትን ንምብዓል ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ተኣኪቦም ነበሩ። ጳጳስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብጥቅምቲ 1965 ንሕቡራት ሃገራት ክበጽሕ ምስ ከደ “ካብ ኵሉ ኣህጉራዊ ውድባት ዝዓበየት” ብምባል ገለጻ: ወሲኹ ኸኣ “ህዝብታት ምድሪ ንሕቡራት ሃገራት እታ ናይ መወዳእታ ተስፋ ናይ ስምምዕን ሰላምን ገይሮም ቆላሕትኦም የውድቑላ” በለ። ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ እተባህለ ካልእ ዝበጽሕ ጳጳስ ብጥቅምቲ 1979 ንሕ.ሃ. ኣብ ዘቕረቦ መደረ “ሕቡራት ሃገራት: ንሓዋሩ እታ ዝለዓለት ናይ ሰላምን ፍትሕን መጋባእያ ኰይና ክትቅጽል ተስፋ እገብር” በለ። እቲ ዘገርም: እቲ ጳጳስ ኣብ ዝርርቡ ንየሱስ ክርስቶስ ወይ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ኣየተኰረሉን። ኣብ ኒው ዮርክ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ከም ዝቐረበ: ብመስከረም 1987 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ “ዮሃንስ ጳውሎስ ኣንዊሑ ብዛዕባ እቲ ሕቡራት ሃገራት ‘ሓድሽ ዓለምለኻዊ ሓድነት’ . . . ንኸተማዕብል እትገብሮ ዘላ ኣወንታዊ እጃም ተዛረበ።”

ሓደ ምስጢራዊ ስም

22. (ሀ) እታ ዓባይ ኣመንዝራ ኣብ እንታይ ዝዓይነቱ ኣራዊት ክትውጣሕ ኢያ መሪጻ፧ (ለ) ዮሃንስ ነታ ምሳልያዊት ኣመንዝራ ዓባይ ባቢሎን ከመይ ገይሩ ይገልጻ፧

22 ሃዋርያ ዮሃንስ: ድሕሪ ቝሩብ እታ ዓባይ ኣመንዝራ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሓደገኛ ዝዀነ ኣራዊት ክትውጣሕ ከም ዝመረጸት ክፈልጥ ኢዩ። ቅድም ግን ኣቓልብኡ ናብ ዓባይ ባቢሎን ገጹ ይገብር። ብኽቡር ነገር ኢያ ተሰሊማ: ኣየ ከተፈንፍን ግን! “እታ ሰበይቲ ኸኣ ቀዪሕ ግምጃን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ተወንዚፋ: ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቝን ተሰሊማ ነበረት: ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልኤ ዜፈንፍን ጽዋእ ወርቂ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት። ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር እታ ዓባይ ባቢሎን: ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን: ዚብል ስም ጽሑፍ እዩ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ ርኤኹዋ።”—ራእይ 17:4-6ሀ

23. ምሉእ ስም ናይ ዓባይ ባቢሎን እንታይ ኢዩ: ትርጕሙኸ እንታይ ኢዩ፧

23 ከምቲ ኣብ ጥንታዊት ሮሜ ዝነበረ ልምዲ: እዛ ኣመንዝራ እዚኣ በቲ ኣብ ግምባራ ዘሎ ስም ኢያ እትልለ። d ንውሕ ዝበለ ስም ኢዩ: ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ዓባይ ባቢሎን: ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን።” እዚ ስም እዚ ሕቡእ ትርጕም ዘለዎ “ምስጢር” ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ: እቲ ምስጢር ክግለጽ ኢዩ። እቲ መልኣኽ: ሎሚ ዘሎዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ምሉእ ትርጕም ናይዚ ገላጺ ስም እዚ ክርድእዎ ኢሉ: ንዮሃንስ እኹል ሓበሬታ ሂቡዎ ኢዩ። ዓባይ ባቢሎን ኵሉ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከም ዝዀነት ንፈልጣ ኢና። ንሳ ‘ኣደ ኣመናዝር’ ኢያ ምኽንያቱ ኵለን እተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት በብውልቀን: ብዙሓት ኣንቆራታት ህዝበ-ክርስትያን እውን ሓዊስካ: መንፈሳዊ ምንዝርና ኣብ ምፍጻም ንዕኣ ስለ ዝኽተላ ደቃ ኢየን። ንኸም በዓል ኣምልኾ ጣኦት: ሓተታ መናፍስቲ: ጥንቆላ: ምቝጻር ከዋኽብቲ: ንባብ-ኢድ: ሰብኣዊ መስዋእቲ: ኣብ ቤት መቕደስ ዝግበር ምንዝርና: ንኽብሪ ሓሰውቲ ኣማልኽቲ ዝግበር ስኽራንን ካልእ ብዕሉግ ልምድታትን ዝኣመሰለ ጽዩፍ ነገራት ብምፍራያ ‘ኣደ ርኽሰት ምድሪ’ እውን ኢያ።

24. ዓባይ ባቢሎን ‘ቀዪሕ ክዳን ተኸዲና ብወርቅን ብኽቡር ኣዕናቝን ተሰሊማ’ ምርኣያ ስለምንታይ ኢዩ ዝሰማማዕ፧

24 ዓባይ ባቢሎን ናይ ንግስነት ሕብሪ: “ቀዪሕ” ክዳን ተኸድነት: ከምኡውን ‘ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቝን ተሰለመት።’ ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! ኵሉ እቲ ዕጹብ-ድንቂ ዝዀነ ህንጻታትን: ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዘይርከብ ሓወልትታትን ስእልታትን: ብዋጋ ዘይሽነን ምስልታትን ካልእ ሃይማኖታዊ ኣቑሑትን ከምኡውን እቲ ናይ ዓለም ሃይማኖታት ደሊበንኦ ዘለዋ ብዝሒ ጥሪትን ገንዘብን እሞ ሕሰበሉ። ዓባይ ባቢሎን ኣብ ቫቲካን ይኹን ወይስ ኣብቲ ማእከሉ ኣብ ኣመሪካ ዝዀነ ናይ ቲቪ ወንጌላውነት ሃጸይ ወይስ ኣብቲ ዘይልሙድ መቓድስ ናይ ምብራቓውያን ክእመን ዘይከኣል ሃብቲ ኣኻዕቢታ ሓድሓደ ግዜውን ኣጥፊኣ ኢያ።

25. (ሀ) ብትሕዝቶ ናይቲ ‘ርኽሰት ዝመልኤ ዜፈንፍን ጽዋእ’ ተመሲሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እታ ምሳልያዊት ኣመንዝራ ሰኺራ ዘላ በየናይ መገዲ ኢያ፧

25 ሕጂ ኸኣ እታ ኣመንዝራ ኣብ ኢዳ ሒዛቶ ዘላ ርአ። ዮሃንስ ንዕኡ ምስ ረኣየ ተገሪሙ ክኸውን ኣለዎ: “ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልኤ ዜፈንፍን” ጽዋእ ወርቂ! እዚ እቲ ንዅሎም ኣህዛብ ብእኡ ዘስከረትሉ “ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ” ዝመልአ ጽዋእ ኢዩ። (ራእይ 14:8፣ 17:4) ብደጊኡ ክቡር ይመስል: ትሕዝትኡ ግን ዘፈንፍንን ርኹስን ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 23:25, 26 ኣረኣእዮ።) እዚ: እታ ዓባይ ኣመንዝራ ነተን ሃገራት ንምስሓትን ኣብ ትሕቲ ናታ ጽልዋ ንምግባርን እተጠቕመትሉ ኵሉ ዘፈንፍን ተግባራትን ሓሶታትን ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ዝያዳ ዘጸይፍ ድማ ዮሃንስ እታ ኣመንዝራ ንባዕላ ደም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምስታይ ሰኺራ ምርኣዩ ኢዩ! ጸኒሕና ኸኣ “ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ” ዝብል ኢና ነንብብ። (ራእይ 18:24) ኣየ ከመይ ዝበለ ከቢድ ናይ ደም ገበን ኰን ኢዩ!

26. ብወገን ዓባይ ባቢሎን ናይ ደም ገበን ከም ዘሎ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ፧

26 ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ክንዲ ውቅያኖሳት ዝኸውን ደም ኣፍሲሳ ኢያ። ንኣብነት ኣብ ማእከላይ ዘበን ጃፓን: ኣብ ክዩቶ ዝነበራ ኣብያተ መቕደስ ኣብ ዕርድታት ተቐይረን ነበራ: ተዋጋእቲ ፈለስቲ ኸኣ “በቲ ቕዱስ ስም ናይ ቡድሃ” እናተማህለሉ እቲ መገድታት ብደም ናብ ቀይሕ ክሳዕ ዝልወጥ ኣብ ንሓድሕዶም ይዋግኡ ነበሩ። ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ምስቶም ንሓድሕዶም ብምትሕርራድ ብውሑዱ ሚእቲ ሚልዮን ህይወት ዘጥፍኡ: ነናይ ዓዶም ሰራዊት ተሰሊፎም ኢዮም። ብጥቅምቲ 1987 ናይ ሕ.መ.ኣ. ፕረዚደንት ነበር ኒክሰን ከምዚ በለ:- “እዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣብ ታሪኽ እቲ ኣዝዩ ደማዊ ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ቅድሚ እዚ ክፍለ-ዘበን ምጅማሩ ኣብ ዝነበረ ኵሉ ውግኣት እተቐትሉ ሰባት: እቶም ኣብቲ ናይዚ ክፍለ-ዘበን እዚ እትቐትሉ ይበዝሑ።” ሃይማኖታት ናይዛ ዓለም ኣብ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ስለ እተኻፈላ ኣምላኽ ንጥፍኣት ክፈርደን ኢዩ፣ የሆዋ “ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው” ይጸልእ ኢዩ። (ምሳሌ 6:16, 17) ኣቐድም ኣቢሉ ዮሃንስ ካብቲ መሰውኢ ከምዚ ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ነበረ:- “ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ: ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለውኸ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧” (ራእይ 6:10) ናይዚ ሕቶ እዚ መልሲ ኣብ ዝወሃበሉ ግዜ እታ ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ኣጸቢቓ ክትንከፍ ኢያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነቲ ዘይክርስትያናዊ መበቆል ዘለዎ መብዛሕትኡ ሰረተ-እምነታትን ጽንብላትን ልምድታትን ናይታ ከሓዲት ህዝበ-ክርስትያን ብምምልካት: እቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነብር ዝነበረ ጆን ሀንሪ እተባህለ ናይ ሮማዊት ካቶሊክ ካርዲናል ኣብታ ኢሰይ ኦን ዘ ዴቨሎፕሜንት ኦቭ ክሪስችያን ዶክትሪን (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምዝውታር ናይ ኣብያተ መቓድስ: እዚኣተን ከኣ ንእተፈላለዩ ቅዱሳት እተወፈያ ምዃነን: ከምኡውን ኣብ ፍሉይ እዋናት ብናይ ኣእዋም ጨናፍር ምስላመን፣ ዕጣን: መብራህቲ: ከምኡውን ሽምዓታት፣ ካብ ሕማም ድሕሪ ምሕዋይ ዝግበር ናይ መብጽዓ ወፈያ፣ ቅዱስ ማይ፣ ናይ ዕቝባት ቦታ፣ በዓላትን ወርሓትን፣ ምዝውታር ዓውደ ኣዋርሕን ዑደታትን ግርሁ ምብራኽን፣ ናይ ካህናት ኣልባስ: ናይ ፈለስቲ ምልጻይ: ኣብ መርዓ ዝግበር ካትም: ናብ ምብራቕ ምጥማት: ኣብ ዳሕራይ ግዜ ዝመጸ ምስልታት: ምናልባትውን እቲ ናይ ኣብያተ ክርስትያናት ተደጋጋሚ ዜማ: ከምኡውን ክሪያላይሶን [“እዝግዮ መሓረና ጐይታ” ዝብል መዝሙር]: ኵሉ እዚ ኣረማዊ መበቆል ዘሎዎ ኢዩ: ቤተ-ክርስትያን ከኣ ብምቕባላ ቀደሰቶ።”

“እቲ ዅሉ ዚከአሎ ጐይታ [“የሆዋ:” NW]” ነዚ ኣምልኾ ጣኦት እዚ ክቕድስ ይትረፍ: ንክርስትያናት “ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን” ኢሉ ኢዩ ዝምዕዶም።—2 ቈረንቶስ 6:14-18

b እታ ዘ ራይዝ ኤንድ ፎል ኦቭ ዘ ሰርድ ራይክ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ናይ ዊልያም አል. ሺረር ታሪኻዊት ጽሕፍቲ: “ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ውልቀ-ሰብ ናይ ሂትለር ኣብ ስልጣን ምድያብ ሓላፍነት ዝስከም” ቮን ፖፐን ኢዩ ነይሩ ይብል። ብጥሪ 1933 ቮን ሽለይከር እቲ ቐደም ናይ ጀርመን ቻንስለር ዝነበረ: ብዛዕባ ቮን ፖፐን ክዛረብ ከሎ “ከዳዕ ምዃኑ: ምስኡ ተወዳዲሩ ይሁዳ ኣስቆረታዊ ከም ዝጸድቕ ባዕሉ ኣመስከረ” በለ።

c ብ14 ግንቦት 1929 ጳጳስ ፕዮስ መበል 11 ኣብ ናይ ሞንድራጐን ኮለጅ ዘስምዖ መደረ: ንሰናይ ናይ ነፍሳት ዘድሊ እንተድኣ ኰይኑ ዋላ ባዕሉ ምስ ድያብሎስውን ክዛተ ከም ዝኽእል ተዛረበ።

d ምስቲ ሮማዊ ደራሲ ሰኔካ ብዛዕባ እታ ዝበደለት ኣንስተይቲ ቀሺ እተዛረቦ ቃላት ኣረኣእዮ (ስወት ከም ዝጠቐሶ):- “ኣቲ ጓል ኣብቲ ሕማቕ ስም ዘለዎ ቤት ቌምኪ . . . ስምኪ ኣብ ግምባርኪ ተንጠልጢሉ: ዓስቢ ነውርኺ ኸኣ ገንዘብ ተቐበልኪ።”—ኰንትሮቭ. ኣይ. 2

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 237 ዘሎ ሳጹን]

ቸርችልምንዝርናየቃልዕ

ዊንስተን ቸርችል ኣብታ ዘ ጋዘሪን ስቶርም (1948 እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፉ: ሂትለር ንፍራንዝ ቮን ፖፔን “ነቶም ኣብ ናይ ኣውስትርያ ፖለቲካ ቀንዲ ዝነበሩ ሰባት ንምድኻም ወይ ከኣ ኣብ ጐድኑ ንምስላፍ” ኢሉ ናይ ጀርመን ሚኒስተር ገይሩ ኣብ ቭየና ከም ዝሸሞ ጸብጻብ ይህብ። ቸርችል እቲ ኣብ ቭየና ዝነበረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሚኒስተር: ብዛዕባ ቮን ፖፐን ዝበሎ ከምዚ ብምባል ይጠቅስ:- “ብኣዝዩ ደፋርን ሓለፍ ዝበለ ምስትንዓቕን . . . ፖፐን . . . ነቲ ከም ብሉጽ ካቶሊክ ዝነበሮ ስም ንኸም በዓል ካርዲናል ኢኒዘር ዝኣመሰሉ ኣውስትርያውያን ክጸልወሉ ይህቅን ከም ዝነበረ ነጊሩኒ።”

ኣውስትርያ ድሕሪ ምምብርካኻን: ናይ ሂትለር ወተሃደራት ድማ ኣብ ቭየና ድሕሪ ምእታዎምን ካቶሊክ ካርዲናል ኢኒዘር: ኵለን ኣብያተ-ክርስትያናት ኣውስትርያ ንባንዴራ ስዋስቲካ ከንበልብላን ደወላተን ክድውላን: ንኽብሪ ልደት ኣዶልፍ ሂትለር ድማ ክጽልያ ኣዘዘ።

[ሳጹን/​ኣብ ገጽ 238 ዘሎ ስእሊ]

በዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብታ ብ7 ታሕሳስ 1941 ዝወጸት ቀዳመይቲ ሕታም ናይ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ (እንግሊዝኛ) እዚ ዝስዕብ ዓንቀጽ ወጸ:- እቲ ዓንቀጽ ኣብቲ ድሓር ዝወጸ ሕታማት ናይታ ጋዜጣ ኣልገስዎ። 7 ታሕሳስ 1941 እታ ደጋፊት ናይ ናዚ ጀርመን ዝነበረት ጃፓን ኣብ ፐርል ሃርበር ንዝነበራ መራኽብ ናይ ሕ.መ.ኣ. ዘጥቅዓትሉ መዓልቲ ኢዩ።

ንራይክ ዝግበር ‘ናይ ውግእ ጸሎት’

“ናይ ፉልዳ ካቶሊክ ኣቡናት በረኸትን ዓወትን ይልምኑ

 . . . እቲ ኣብ ፉልዳ እተኣከበ ናይ ጀርመን ካቶሊክ ኣቡናት ኮንፈረንስ: ኣብ ምጅማርን ምዕጻውን ናይ ኵሉ ዝግበር መለኮታዊ ቅዳሴ ሓደ ፍሉይ ‘ናይ ውግእ ጸሎት’ ክጅመር ተማሕጸነ።

እቲ ጸሎት ንናይ ጀርመን ሰራዊት ብዓወት ንምብራኽን ንህይወትን ጥዕናን ናይ ኵሎም ወተሃደራት ከኣ ንምዕቋብን መለኮታዊ መምርሒ ዝልምን ኢዩ። ብተወሳኺ: ናይ ካቶሊክ ካህናት ነቶም ኣብ ‘መሬት: ኣብ ባሕሪ: ከምኡውን ኣብ ኣየር’ ዘለዉ ናይ ጀርመን ወተሃደራት ኣብ ፍሉይ ናይ ሰንበት ቅዳሴ እንተወሓደ ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ክዝክርዎም እቶም ኣቡናት መምርሒ ሃቡ።”

[ኣብ ገጽ 244 ዘሎ ሳጹን]

“ስማት ጸርፊ”

ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም እቲ ኽልተ ዝቐርኑ ኣራዊት ንእተኣሳሰራ መንግስታት ምስ አቘመ: ብዙሓት ሃይማኖታውያን ውሽማታቱ ነዚ ስጕምቲ እዚ ብቕልጡፍ ሃይማኖታዊ ደገፍ ክህብኦ ደለያ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ሓድሽ ናይ ሰላም ውድብ “ስማት ጸርፊ ዝመልኦ” ዀነ።

“ክርስትና ንእተኣሳሰራ [መንግስታት] ብድሕሪት ኰይኑ ክድግፋን ህያው ክገብራን ይኽእል ኢዩ: ስለዚ ኸኣ እቲ ውዕል ጭራም ወረቐት ካብ ምዃን ሓሊፉ መሳርሒ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ምዃን ክልውጦ ኢዩ።”—ዘ ክሪስትያን ሰንችሪ (እንግሊዝኛ) ሕ.መ.ኣ. 19 ሰነ 1919 ገጽ 15

“ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ዕላማ: መቐጸልታ ናይቲ ከም ዓለማዊ ስርዓት ናይ ሰናይ ነገር መጠን መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዋ ዕላማ ናይ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኢዩ። . . . እቲ ኵሎም ክርስትያናት ክጽልዩ ኸለዉ ‘መንግስትኻ ትምጻእ’ ዝብልዎ ኢዩ።”—ዘ ክሪስትያን ሰንችሪ (እንግሊዝኛ) ሕ.መ.ኣ. 25 መስከረም 1919 ገጽ 7

“እተኣሳሰራ መንግስታት ብደም ክርስቶስ ዝጸንዐት ኢያ።”—ዶ/ር ፍራንክ ክረይን: ናይ ፕሮተስታንት ቀሺ: ሕ.መ.ኣ.።

“እቲ [ሃገራዊ] ቤት ምኽሪ [ናይ ኮንግሪገሽናል ኣብያተ ክርስትያናት] ነቲ ኪዳን [ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት] መንፈስ የሱስ ኣብ ጉዳያት ናይ ሃገራት ሰፊሕ ግብራዊ ኣወዓዕላ ዝረኽበሉ እንኮ ፖለቲካዊ መሳርሒ ከም ዝዀነ ገይረን ኢየን ዝድግፍኦ።”—ዘ ኮንግሪጌሽናሊስት ኤንድ ኣድቫንስ (እንግሊዝኛ) ሕ.መ.ኣ. 6 ሕዳር 1919 ገጽ 642

“እቲ ዋዕላ ንዅሎም ተኸተልቲ መቶዲስት ነቲ ዕላማታት [እተኣሳሰራ መንግስታት] ከም ብኣምላኽ እቲ ኣቦን ብምድራውያን ውሉዳቱን እተገልጸ ገይሮም ክድግፍዎን ኣዝዮም ከማዕብልዎን ይዕድሞም ኣሎ።”—ናይ ወስሊ ቤተ-ክርስትያን መቶዲስት: ብሪጣንያ።

“ነቲ ባህግታትን ተኽእሎታትን ውሳነታትን ናይቲ ስምምዕ ክንሓስቦ ኸሎና: እቲ ቐንዲ ትምህርትታት ናይ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝሓዘ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ: እዚ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ኢዩ . . . ካብኡ ብምንም ኣይትሕትን ኢዩ።”—ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ብ3 ታሕሳስ 1922 ኣብ ጀነቫ እተኻየደ ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ኣሰምብሊ ብጳጳስ ናይ ካንተርበሪ እተዋህበ ስብከት።

“ማሕበር እተኣሳሰራ መንግስታት ኣብዚ ዓዲ እዚ: ከም ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ሚስዮናዊ ማሕበር ቅዱስ መሰል ኣሎዋ: ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ መስፍን ሰላም ኰይኑ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝገዝእ ክርስቶስ እትውክል ኣዝያ መስለጢት ትካል ኢያ።”—ዶ/ር ግራቬ: ናይ ኮንግሪገሽናል ኣገልጋሊ: ብሪጣንያ።

[ኣብ ገጽ 236 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣብ ምልእቲ ዓለም ዘለዉ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታት መበቆሎም ካብ ባቢሎን ኢዩረ

ባቢሎን

ስላሴታት ወይ ስሉሳት ኣማልኽቲ

ሰብኣዊት ነፍሲ ድሕሪ ሞት ትቕጽል ኢያ

ሓተታ መናፍስቲ—ምስ “ምዉታት” ምዝራብ

ንኣምልኾ ምስልታት ምጥቃም

ኣጋንንቲ ንምህዳእ ስራይ ምጥቃም

ብብርቱዕ ቤተ-ክህነት ምግዛእ

[ኣብ ገጽ 239 ዘሎ ስእሊ]

ጥንታዊት ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ነበረት

[ኣብ ገጽ 239 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚውን እታ ዓባይ ኣመንዝራ ኣብ ልዕሊ “ብዙሕ ማያት” ኢያ ተቐሚጣ ዘላ

[ኣብ ገጽ 241 ዘሎ ስእሊ]

ዓባይ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ሓደገኛ ኣራዊት ተቐሚጣ ኸላ

[ኣብ ገጽ 242 ዘሎ ስእልታት]

እዛ ሃይማኖታዊት ኣመንዝራ ምስ ነገስታት ምድሪ መንዚራ

[ኣብ ገጽ 245 ዘሎ ስእልታት]

እታ ሰበይቲ ‘ብደም ቅዱሳት ሰኺራ’ ኢያ