ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ምሕታም

ነቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ምሕታም

ምዕራፍ 19

ነቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ምሕታም

ትርኢት 4​—ራእይ 7:1-17

ቀንዲ መልእኽቲ:- እቶም 144,000 ይሕተሙ: ዓቢ ጭፍራ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ይርኣዩ

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ካብቲ የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ኣብ ዝፋኑ እተቀመጠሉ ግዜ ክሳዕ እታ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ

1. በታ ዓባይ መዓልቲ ናይ መለኮታዊ ቍጥዓ ‘ደው ክብል ዝኽእል መን ኢዩ’፧

 ‘ደው ክብል ዝኽእልከ መን ኢዩ፧’ (ራእይ 6:17) እወ: ብሓቂ መን ኣሎ፧ እታ ዓባይ መዓልቲ ናይ መለኮታዊ ቝጥዓ ነዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ክትድምስስ ከላ: ናይ ዓለም ገዛእትን ህዝብን ነዚ ሕቶ እዚ የቕርብዎ ይዀኑ ኢዮም። ንዓታቶም እቲ ዝወርድ መዓት ንዅሉ ሰብኣዊ ህይወት ዝምንቍስ ኰይኑ ኢዩ ዝረኣዮም። ግን ከምኡ ድዩ ክኸውን፧ ናይ ኣምላኽ ነብዪ “ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” ብምባል ከረጋግጸልና ዘሐጕስ ኢዩ። (ዮኤል 2:32) ሃዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን እውን ነዚ ነገርዚ ኣረጋጊጾምዎ ኣለዉ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:19-21፣ ሮሜ 10:13) እወ: እቶም ስም የሆዋ ዝጽውዑ ዘበሉ ደሓንቲ ክዀኑ ኢዮም። እዚኣቶም መን ኢዮም፧ እቲ ዝስዕብ ትርኢት ክግለጽ ከሎ ክንርእዮ ኢና።

2. ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ደሓንቲ ምህላዎም ዘደንቕ ስለምንታይ ኢዩ፧

2 ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ብህይወት ክሓልፍሲ ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ: ከመይሲ ሓደ ኻልእ ነብዪ ኣምላኽ ነታ መዓልቲ በዚ ቃላት እዚ ይገልጻ:- “እንሆ: ናይ እግዚኣብሄር ህቦብላ ነድሩ ይወጽእ: እቲ ህቦብላ ኣብ ርእሲ ረሲኣን ተወንጪፉ ይወርድ። እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር: ነቲ ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመን ኣይኪምለስን እዩ።” (ኤርምያስ 30:23, 24) ነዚ ህቦብላ እዚ ብዓወት ምእንቲ ክንሳገሮ ብህጹጽ ስጕምቲ ክንወስድ ይግብኣና!—ምሳሌ 2:22፣ ኢሳይያስ 55:6,7፣ ጸፎንያስ 2:2, 3

እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት

3. (ሀ) ዮሃንስ እንታይ ብመላእኽቲ ዝፍጸም ፍሉይ ኣገልግሎት ኢዩ ዝርኢ፧ (ለ) እቲ “ኣርባዕተ ንፋሳት” እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

3 የሆዋ ነዚ ቝጥዓ እዚ ከይፈነዎ ኸሎ: መላእኽቲ ሰማይ ሓደ ፍልይ ዝበለ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ኢዮም። ነዚ ኸኣ ዮሃንስ ብትርኢት ይርእዮ:- “ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም: ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ: ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹ።” (ራእይ 7:1) እዚኸ ንኣና ሎሚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እዞም “ኣርባዕተ ንፋሳት” እዚኣቶም ንጹር ምልክት ናይቲ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ምድራዊ ሕብረተሰብ: እቲ ከም “ባሕሪ” ዝናወጽ ሕጊ ዘይብሉ ወድሰብን እቶም ሓገዝን ደገፍን ካብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህዝቢ ዝወስዱ ሕቡናት ኣእዋም መሰል ገዛእትን ክፍኖ ቀሪቡ ዘሎ ኣዕናዊ ፍርዲ ኢዮም።—ኢሳይያስ 57:20፣ መዝሙር 37:35, 36

4. (ሀ) እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ እንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧ (ለ) እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምስ ተፈነዉ ኣብ ልዕሊ ምድራዊት ማሕበር ሰይጣን እንታይ ሳዕቤን ክህልዎም ኢዩ፧

4 ብዘይ ጥርጥር: እዞም ኣርባዕተ መላእኽቲ እዚኣቶም ክሳዕ እቲ ምዱብ ግዜኡ ዝኸውን እቲ ፍርዲ ከይፍጸም ክዓግቱ የሆዋ ዝጥቀመሎም ኣርባዕተ ጕጅለ መላእኽቲ ኢዮም ዘመልክቱ። እቶም መላእኽቲ ነቶም ናይ መለኮታዊ ቍጥዓ ንፋሳት ብሓደ ግዜ ብሰሜንን ደቡብን: ምብራቕን ምዕራብን ክውንጨፉ ምስ ፈነውዎም: እቲ ጥፍኣት ዓቢ ክኸውን ኢዩ። እዚ ኸኣ ብዝዓበየ መጠን ደኣ ኰይኑ እምበር: ምስቲ የሆዋ ንዔላም ንምሕምሻሽን ንምጽናትን እተጠቕመሎም ኣርባዕተ ንፋሳት ዝመሳሰል ኢዩ። (ኤርምያስ 49:36-38) ካብቲ የሆዋ ንህዝቢ ዓሞን ንምጽናት እተጠቕመሉ “ህቦብላ” ኣጸቢቑ ዘዕኑ ብርቱዕ ህቦብላ ክኸውን ኢዩ። (ኣሞጽ 1:13-15) በታ የሆዋ ሉዓላውነቱ ንዘለኣለም ዘረጋግጸላ መዓልቲ ቍጥዓኡ ዝዀነ ይኹን ኣብ ምድሪ ዘሎ ክፍሊ ናይ ማሕበር ሰይጣን ደው ክብል ኣይክእልን ኢዩ።—መዝሙር 83:15, 18፣ ኢሳይያስ 29:5, 6

5. ትንቢት ኤርምያስ ፍርዲ ኣምላኽ ንምድሪ ብምልእታ ከም ዘጠቓልል ንኽንርዳእ ብኸመይ ይሕግዘና፧

5 ፍርዲ ኣምላኽ ንምድሪ ብምልእታ ከም ዘጥፍኣ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእልዶ፧ እቲ ኤርምያስ እተባህለ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝበሎ እንደገና ንስማዕ:- “እንሆ: መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኺሐልፍ: ብርቱዕ ህቦብላ ኸኣ ካብ ወሰን ምድሪ ኺለዐል እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ እዮም።” (ኤርምያስ 25:32, 33) ኣብዚ እዋን ናይ ብርቱዕ ህቦብላ ኸኣ ኢዩ ንዓለም ጸልማት ዘጐልብባ። እቶም ገዛእታ ኸኣ ሃለዋቶም ክጠፍእ ኢዩ። (ራእይ 6:12-14) መጻኢ ግዜ ግን ንዅሉ ኣይኰነን ጸልማት ዝኸውን። ምእንቲ መን ደኣ ኢዮም እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ተዓጊቶም ዘለዉ፧

ነቶም ባሮት ኣምላኽ ማሕተም ምግባር

6. እቶም መላእኽቲ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ክዓግቱ ዝኣዘዞም መን ኢዩ: እዚኸ ንምንታይ ኢዩ ግዜ ዝህብ፧

6 ዮሃንስ: ገሊኦም ንምድሓን ብኸመይ ምልክት ከም ዝግበረሎም ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ: ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሐትሞምሲ: ምድሪ: ወይስ ባሕሪ: ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ: በለ።”—ራእይ 7:2,3

7. እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ብሓቂ መን ኢዩ: መንነቱ ንኸነረጋግጽ ዝሕግዘና መርትዖኸ እንታይ ኢዩ፧

7 እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ስሙ’ኳ እንተ ዘይተገልጸ: ኵሉ መርትዖታት ግን እቲ ክብሪ ዝለበሰ ጐይታ የሱስ ክኸውን ከም ዘለዎ የመልክት። ምስቲ ናይ የሱስ ሊቀ መላእኽቲ ምዃን ዝሰምማዕ ከኣ: ኣብዚውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት መላእኽቲ ስልጣን ከም ዘለዎ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ። (1 ተሰሎንቄ 4:16፣ ይሁዳ 9) ንሱ ኸኣ ከምቶም “ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት”—የሆዋን እቲ ቅቡኡን—ካብ ምብራቕ ኢዩ ዝመጽእ: እዞም ነገስታት እዚኣቶም ከምቲ ንጉስ ዳርዮስን ንጉስ ቂሮስን ንባቢሎን ከዋርድዋ ከለዉ ዝገበርዎ: ፍርዲ ንምፍጻም ኢዮም ዝመጹ። (ራእይ 16:12፣ ኢሳይያስ 45:1፣ ኤርምያስ 51:11፣ ዳንኤል 5:31) እዚ መልኣኽ እዚ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ክሓትም ሕድሪ ስለ እተዋህቦውን ንየሱስ ይመስል ኢዩ። (ኤፌሶን 1:13, 14) ብተወሳኺውን እቶም ንፋሳት ምስ ተፈነዉ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ንምውራድ ሰራዊት ሰማይ መሪሑ ዝመጽእ የሱስ ኢዩ። (ራእይ 19:11–16) ስለዚ እምበኣር: እቲ ነቶም ባሮት ኣምላኽ ማሕተም ክሳዕ ዝግበረሎም ነቲ ምድራዊ ግዝኣት ሰይጣን ከይድምሰስ ዝእዝዝ የሱስ ክኸውን ከም ዘለዎ ርዱእ ኢዩ።

8. እቲ ምሕታም እንታይ ኢዩ: ካብ መዓስከ ኢዩ ዝጀመረ፧

8 እዚ ምሕታም እዚ እንታይ ኢዩ: እዞም ባሮት ኣምላኽከ መን ኢዮም፧ እቲ ምሕታም እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣይሁድ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብኡ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ጀመረ። ጸኒሑ ኸኣ ኣምላኽ ካብ “ኣህዛብ” እውን ሰባት ምጽዋዕን ምቕባእን ቀጸለ። (ሮሜ 3:29፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4, 14, 32, 33፣ 15:14) ሃዋርያ ጳውሎስ: ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ናይ ክርስቶስ ምዃኖም’ (NW) መረጋገጺ ከም ዘለዎም ጸሓፈ: ቀጺሉውን “እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሀበናን ኣምላኽ ንሱ እዩ” በለ። (2 ቈረንቶስ 1:21, 22፣ ምስ ራእይ 14:1 ኣረኣእዮ።) ስለዚ እዞም ባሮት እዚኣቶም ከም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ ፍሉይ ውልድነት ምስ ተቐበሉ: ሰማያዊ ውርሻ ቅድሚ ምርካቦም ከም ዕርቡን ማሕተም ይግበረሎም ወይ ትሕጃ ይወሃቦም። (2 ቈረንቶስ 5:1, 5፣ ኤፌሶን 1:10, 11) ድሕርዚ ከምዚ ክብሉ ይኽእሉ:- “ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ: ወረስቲ ድማ ኢና: ንኣምላኽ ወረስቱ: ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ: ምስኡውን ክንከብር ኢና።”—ሮሜ 8:15-17

9. (ሀ) ብወገን እቶም ብመንፈስ እተወልዱ ተረፍ ደቂ ኣምላኽ እንታይ ምጽማም ኢዩ ዝድለ፧ (ለ) እቲ ምፍታን ናይቶም ቅቡኣት ክሳዕ መዓስ ኢዩ ዝቕጽል፧

9 “ምስኡ ሓሳረ መከረ እንተ ጸገብናስ”—እንታይ ማለት ኢዩ፧ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ናይ ህይወት ኣኽሊል ምእንቲ ክቕበሉ ክሳዕ ሞትውን እሙናት ኰይኖም ክጽመሙ ይግብኦም። (ራእይ 2:10) እቲ ‘ሓንሳእ ካብ ደሓንና: ንዅሉ ሳዕ ድሑናት ኢና’ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይዓይን ኢዩ። (ማቴዎስ 10:22፣ ሉቃስ 13:24) ኣብ ክንድኡ ግን ከምዚ ዝብል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኢዩ:- “ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ።” ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ” ዝበሎ ክብሉ ኣለዎም። (2 ጴጥሮስ 1:10, 11፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:7, 8) ስለዚ እቲ ምፍታንን ምምማይን ናይቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ተረፍ ደቂ ኣምላኽ: የሱስን እቶም ዘሰንይዎ መላእኽትን ከም እተፈተኑን እሙናትን “ባሮት ኣምላኽና” መጠን: ወሳንን ዘይልወጥን ማሕተም ‘ኣብ ግንባር’ ናይ ኵሎም ኣጸቢቖም ክሳዕ ዝገብሩ ክቕጽል ኢዩ። ሽዑ እቲ ማሕተም እቲ ነባሪ ምልክት ይኸውን። እቶም ኣርባዕተ ናይ ጸበባ ንፋሳት ክፍነዉ ከለዉ እቶም ናይ መንፈስ እስራኤል ኵሎም: ሒደት ብስጋ ህያዋን እኳ እንተጸንሑ: ተሓቲሞም ከብቅዑ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:13፣ ራእይ 19:7) ቍጽሪ እቶም ኣባላትውን መሊኡ ማለት ኢዩ!—ሮሜ 11:25, 26

ዝሕተሙ ክንደይ ኢዮም፧

10. (ሀ) ቍጽሪ ናይቶም ሕቱማት ውሱን ምዃኑ ኣየኖት ጥቕስታት ይሕብሩ፧ (ለ) ጠቕላላ ቍጽሪ ናይቶም ሕቱማት ክንደይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢዮም ተዘርዚሮም ዘለዉ፧

10 የሱስ ነቶም እዚ ማሕተም እዚ ዝግበረሎም “ኣታ ሒደት መጓሰ: እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ: ኣይትፍራህ” በሎም። (ሉቃስ 12:32) ካልእ ጥቕስታት ከም ራእይ 6:11፣ ሮሜ 11:25 ዝኣመሰለ እውን ቍጽሪ ናይዞም ሒደት መጓሰ ብሓቂ ውሱን: አረ ኣቐዲሙ እተመደበ እውን ከም ዝዀነ ይሕብር። እተን ቀጺለን ዘለዋ ናይ ዮሃንስ ቃላት ነዚ የረጋግጻ:- “ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ: ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት። ካብ ነገድ ይሁዳ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ: ካብ ነገድ ሮቤል ዓሰርተው ክልተ ሽሕ: ካብ ነገድ ጋድ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ: ካብ ነገድ ኣሴር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ: ካብ ነገድ ንፍታሌም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ: ካብ ነገድ ምናሴ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ: ካብ ነገድ ስምኦን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ: ካብ ነገድ ሌዊ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ: ካብ ነገድ ይሳኮር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ: ካብ ነገድ ዛብሎን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ: ካብ ነገድ ዮሴፍ ዓሰርተው ክልተ ሸሕ: ካብ ነገድ ብንያም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ።”—ራእይ 7:4-8

11. (ሀ) እቲ ብዛዕባ እቶም 12 ነገድ ተጠቒሱ ዘሎስ ቃል ብቓሉ ነቶም ብስጋ ደቂ እስራኤል ዘየመልክት ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ራእይ ነቶም 12 ነገድ ዝዘርዘረቶም ስለምንታይ ኢያ፧ (ሐ) ኣብቲ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ንንግስነት ወይ ንኽህነት ጥራይ እተፈልየ ነገድ ዘየለ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 እዝስ ቃል ብቓሉ ነቶም ብስጋ ደቂ እስራኤል ዘመልክትዶ ኣይኰነን፧ ኣይፋሉን: ከመይሲ ራእይ 7:4-8 ካብቲ ልሙድ ዝርዝር ናይቶም ነገዳት እተፈልየ ኢዩ። (ዘሁልቍ 1:17, 47) እምበኣርሲ ኣብዚ እቲ ዝርዝር ነቶም ብስጋ ኣይሁድ በብነገዶም ንምፍላይ ኢልካ ዘይኰነስ: ነቶም መንፈሳውያን እስራኤል ተመሳሳሊ ስርዓት ዘለዎ መዋቕር ከም ዝህልዎም ዘርኢ ኢዩ። እዚ ኸኣ ሚዛናዊ ኢዩ። ኣባላት ናይዚ ሓድሽ ህዝቢ ኸኣ ልክዕ 144, 000 ኢዮም—12, 000 ካብ ነፍሲ ወከፍ ናይቶም 12 ነገድ። ካብዞም ናይ ኣምላኽ እራኤል ድማ ንንግስነት ወይ ንኽህነት ጥራይ እተፈልየ ነገድ የለን። ኵሎም እቶም ህዝቢ ከም ነገስታት ክገዝኡ ኢዮም: ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ከም ካህናት ከገልግሉ ኢዮም።—ገላትያ 6:16፣ ራእይ 20:4, 6

12. እቶም 24 ሽማግለታት ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ኰይኖም ነቲ ኣብ ራእይ 5:9, 10 ዘሎ ቃላት ክዝምሩ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እቶም ከም ኣባላት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኰይኖም ንኽምረጹ ናይ መጀመርታ ኣጋጣሚ ዝረኸቡ ብስጋ ኣይሁድን ናይ ኣይሁድ ጵሮሰሊትን እኳ እንተነበሩ: እተቐበልዎ ግን ኣዝዮም ሒደት ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ኸኣ የሆዋ ነቲ መጸዋዕታ ናብ ኣህዛብ ዘርገሖ። (ዮሃንስ 1:10-13፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:4, 7-11፣ ሮሜ 11:7) ከምቲ ሰብ ኤፌሶን ቅድም “ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት” ዝነበሩ: ሕጂ እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣህዛብ ብመንፈስ ኣምላኽ ክሕተሙን ክፍሊ ናይ ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ክዀኑን ከኣሉ። (ኤፌሶን 2:11-13፣ 3:5, 6፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:4) ስለዚ እቶም 24 ሽማግለታት ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ኰይኖም “ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ: ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም: ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም” ኢሎም ክዝምሩስ ግቡእ ኢዩ።—ራእይ 5:9, 10

13. እቲ ንየሱስ በደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ: ነታ መልእኽቱ ናብቶም “ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ” ኢሉ ክጽሕፋ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

13 እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ “ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ” ኢያ። (1 ጴጥሮስ 2:9) ነቶም ብስጋ ኣይሁድ ከም ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበረቶም ግደ ብምትካእ ኸኣ እታ ናይ ‘[“ሓቂ:” NW] እስራኤል’ ዝዀነት ሓዳስ እስራኤል ትኸውን። (ሮሜ 9:6-8፣ ማቴዎስ 21:43) a በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ንየሱስ በደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ: እታ ናይ ጕስነት ደብዳበኡ ክጽሕፍ ከሎ ነቶም “ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰረተው ክልተ ነገድ” ምባሉ ግቡእ ኢዩ፣ እዚ ማለት ከኣ ነታ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ 144, 000 ክትከውን ዘለዋ ዓለምለኸ ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዩ።—ያእቆብ 1:1

ናይ ኣምላኽ እስራኤል ሎሚ

14. ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ቍጽሪ ናይቶም ናይ መንፈስ እስራኤል ዘቝሙስ ቃል ብቓሉ 144, 000 ምዃኑ ከም ዝኣመኑ እንታይ የርኢ፧

14 ቻርለስ ቲ. ራስል: እቶም 144, 000 ቃል ብቓሉ ቍጽሪ ናይቶም ንመንፈሳዊት እስራኤል ዘቝሙ ሰባት ምዃኑ ተረዲኡዎ ነይሩ ኢዩ። ኣብታ ብ1904 እተሓትመት ሓድሽ ፍጥረት (እንግሊዝኛ) እትብሃል ሻድሸይቲ ጥራዝ ናይተን ንሱ ዝጸሓፈን መጽናዕቲ ቅዱሳት ጽሑፋት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ፍሉጥን ውሱንን ቍጽሪ ናይቶም ሕሩያት [እተመርጹ ቅቡኣት] ከምቲ ተደጋጊሙ ኣብ ራእይ (7:4፣ 14:1) ተጠቒሱ ዘሎ: ‘ካብ ምድሪ እተዓደጉ’ 144, 000 ከም ዝዀኑ ንኽንኣምን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።” ኣብታ ብተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1930 እተሓትመት ቀዳመይቲ መጽሓፍ ናይ ብርሃን (እንግሊዝኛ) እውን ብተመሳሳሊ “እዞም 144, 000 ዝዀኑ ኣባላት ኣካል ክርስቶስ ተሓርዮም እተኣከቡ ቅቡኣት ወይ ሕቱማት ኢዮም” ብምባል ተገሊጹ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቃል ብቓሉ 144, 000 እተቐብኡ ክርስትያናት መንፈሳዊት እስራኤል ከም ዘቝሙ ኢዮም ዝኣምኑ።

15. ቀቅድሚ መዓልቲ ጐይታ: እቶም ቅኑዓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብስጋ ኣይሁድ ብድሕሪ ምውዳእ ዘበናት ኣህዛብ እንታይ ከስተማቕሩ ኢዮም ኢሎም ሓሰቡ፧

15 ይኹን እምበር: እዞም ሕጂ ዘለዉ ብስጋ እስራኤል ገለ ፍልይ ዝበለ ብልጫዶ የብሎምን ኢዩ፧ ኣብቲ ቅኑዓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ መሰረታዊ ሓቂ ናይ ቃል ኣምላኽ እንደገና ዝረኽቡሉ ዝነበሩ ቀቅድሚ መዓልቲ ጐይታ ምእታዋ ዝነበረ እዋን: ዘበናት ኣህዛብ ክውዳእ ከሎ እቶም ኣይሁድ እንደገና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መሰል ዘለዎ ቦታ ክረኽቡ ከም ዝዀኑ ይሕሰብ ነበረ። ስለዚ እኳ ደኣ ኢዩ ሲ. ቲ. ራሰል ኣብታ ብ1889 እተሓትመት እቲ ግዜ ቀሪቡ ኢዩ (እንግሊዝኛ) እተባህለት መጽሓፍ (ካልኣይቲ ጥራዝ ናይ መጽናዕቲ ቅዱሳት ጽሑፋት) ንኤርምያስ 31:29-34 ኣብቶም ስጋውያን እስራኤል ብምውዓል ከምዚ ዝበለ:- “እስራኤላውያን ንመቕጻዕቲ ካብ [607] ዓ.ዓ. ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣህዛብ ከም ዘለዉ ዓለም እትምስክሮ ሓቂ ኢዩ: ገና ኸኣ ይቕጽሉ ኣለዉ: እቲ ‘ሾብዓት ግዝያት’—2520 ዓመታት—ብ1914 ዓ.ም. ቅድሚ ምውድኡ ኸኣ ከም ሃገር እንደገና ክቘሙ እንጽበየሉ ምኽንያት የለን።” ሽዑ ኣይሁድ ሃገራዊ ዳግመ ምህናጽ ዝገብሩ ኢዩ ዝመስል ነይሩ: እዚ ትጽቢት እዚ ድማ ብ1917 እቲ ፍልስጤም ሃገር ናይ ኣይሁድ ክትከውን ዝብል ናይ ባልፎር ስምምዕ ደገፍ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ረኸበ ዝያዳ ዝበርሀ መሲሉ ተራእየ።

16. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ናብቶም ብስጋ ኣይሁድ ንኸብጽሕዎ እንታይ ጻዕርታት ኢዮም ዝገበሩ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧

16 ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዓባይ ብሪጣንያ ንፍልስጤም ከተመሓድር ሕድሪ ምስ ተዋህባ: ሓያለይ ኣይሁድ ናብቲ ሃገር ንኽኣትዉ መገዲ ተራሕወሎም። ብ1948 ድማ ፖለቲካዊት መንግስቲ እስራኤል ቈመት። እዚ ኣይሁድ መለኮታዊ በረኸት ከም ዝረኸቡ ኣየመልክትንዶ ኢዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓያለይ ዓመታት ከምኡ ይመስሎም ነበረ። ስለዚ እኳ ደኣ ብ1925 ሓንቲ 128 ገጽ ዘለዋ ምጽንናዕ ንኣይሁድ (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ሓተሙ። ብ1929 ድማ ሓንቲ 360 ገጽ ዘለዋ ማራኺት ዝዀነት ህይወት (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ንኣይሁድ ተባሂላ እተዳለወትን ብዛዕባ መጽሓፍ እዮብ እትጠቅስን መጽሓፍ ኣውጽኡ። ብሕልፊ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ንኣይሁድ እዚ መሲሓዊ መልእኽቲ ምእንቲ ክበጽሖም ብርቱዕ ጻዕሪ ተገብረ። ሒደት ሰባት ነቲ መልእኽቲ ምቕባሎም ዘሐጕስ ኢዩ: ብሓፈሻ ግን እቶም ኣይሁድ ከምቶም ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣቦታቶም: ንህላዌ ናይቲ መሲህ ዘረድእ መርትዖታት ነጸግዎ።

17, 18. ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኪዳንን እንደገና ናይ ምምላስ ትንቢታትን እንታይ ኢዮም እተረድኡ፧

17 እምበኣርከስ ኣይሁዳውያን: ከም ህዝብን ከም ሃገርን: እቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7:4-8 ወይ ኣብ ካልእ ምስ መዓልቲ ጐይታ እተተሓሓዘ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ እስራኤላውያን ኣይኰኑን። ባህሊ ብምስዓብ እቶም ኣይሁድ ነቲ መለኮታዊ ስም ኣይተጠቕምሉን። (ማቴዎስ 15:1-3, 7-9) እታ የሆዋ ዘርእስታ ብ1934 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ብዛዕባ ኤርምያስ 31:31-34 ክትገልጽ ከላ ከምዚ ኢላ ትድምድም:- “እቲ ሓድሽ ኪዳን ምስቶም ስጋውያን ዘርኢ እስራኤል ይኹን ምስ ደቂሰብ ብሓፈሻ ምንም ርክብ የብሉን: ኣብ ክንድኡስ . . . ኣብቶም መንፈሳውያን እስራኤል እተወሰነ ኢዩ።” እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ እንደገና ናይ ምምላስ ትንቢታት: ነቶም ብስጋ ኣይሁድ ኰነ ነዛ ሕጂ ኣባል ናይ ሕቡራት ሃገራትን ክፍሊ ናይታ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 14:19, 30 ከምኡውን ዮሃንስ 18:36 እተዛረበላ ዓለም ዝዀነት ፖለቲካዊት እስራኤልን ኣየመልክትን ኢዩ።

18 ብ1931 እቶም ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ባሮት ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ብዓቢ ሓጐስ ተቐበልዎ። ምስቲ ኣብ መዝሙር 97:11 ዘሎ “ብርሃን ንጻድቃን: ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ” ዝብል ብምሉእ ልቦም ክሰማምዑ ከኣሉ። ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን እቶም መንፈሳውያን እስራኤል ጥራይ በይኖም እትዋት ከም ዝዀኑ ኸኣ ብንጹር ክርድኡ ከኣሉ። (እብራውያን 9:15፣ 12:22, 24) እቶም ግዲ ዘይብሎም ብስጋ ደቂ እስራኤል ኰኑ ወይ ደቅሰብ ብሓፈሻ ኣብኡ ግደ የብሎምን። እዚ ምርዳእ እዚ ድማ ኣብቲ መዝገብ ናይ ቲኦክራሲያዊ ታሪኽ ርኡይ ዝዀነ ድሙቕ ነጸብራቕ ናይ መለኮታዊ ብርሃን መገዲ ከፈተ። እዚ ዅሉ ኸኣ የሆዋ ነቶም ናብኡ ዝቐርቡ ደቅሰብ ምሕረቱን ፍቕራዊ ሕያውነቱን ሓቁን ኣብዚሑ ከም ዝህቦም ኢዩ ዘመልክት። (ዘጸኣት 34:6፣ ያእቆብ 4:8) እወ: እቶም መላእኽቲ ነቲ ኣርባዕተ ናይ ጥፍኣት ንፋሳት ብምዕጋቶም ብዘይካ እቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ዝጥቀሙ ካልኦትውን ኣለዉ። እዚኦምከ መን ክዀኑ ይኽእሉ፧ ሓደ ካባታቶም ክትከውን ትኽእል ዲኻ፧ እስከ ቀጺልና ንርአ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ምስ እዚ ዝሰማማዕ እታ እስራኤል እትብል ስም ትርጕማ “ኣምላኽ ይቃለስ፣ ምስ ኣምላኽ ዝቃለስ (ከይተሓለለ ዝጸንዕ)” ዝብል ኢዩ።—ዘፍጥረት 32:28፣ ኣብ እግረ-ጽሑፍ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 114፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 116, 117 ዘሎ ስእልታት]

ሓፈሻዊ ምሕራይ ናይቶም ናይ ሓቂ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ካብ መዓልቲ ጴንጤቆስጤ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ ክሳዕ 1935 ቀጸለ: ሽዑ ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲ. ሲ. እተገብረ ታሪኻዊ ዓቢ ኣኼባ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቶም ኣብ ምድሪ ንኽነብሩ ተስፋ ዘለዎም ዓቢ ጭፍራ ኣትኵሮ ተገብረ (ራእይ 7:9)