ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቶም ክልተ መሰኻኽር ህያዋን ምግባር

ነቶም ክልተ መሰኻኽር ህያዋን ምግባር

ምዕራፍ 25

ነቶም ክልተ መሰኻኽር ህያዋን ምግባር

1. እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ንዮሃንስ እንታይ ክገብር ኢዩ ዝጽውዖ፧

 እቲ ኻልኣይ ወዮ ፈጺሙ ከይተወድአ ኸሎ: እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ንዮሃንስ ኣብ ሓደ ምስታ ቤት መቕደስ እተተሓሓዘ ትንቢታዊ ትርኢት ክዋሳእ ይጽውዖ። (ራእይ 9:12፣ 10:1) ዮሃንስ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ:- “ዘንጊ ዚመስል ሻምብቆ ኸኣ ተዋህበኒ: ሓደ ድማ: ተንስእ እሞ ነታ መቕደስ ኣምላኽን መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዚሰግዱን ስፈር: በለኒ።”—ራእይ 11:1

እታ ቤት መቕደስ

2. (ሀ) ክሳዕ እዚ ግዜና እትቕጽል ቤት መቕደስ ኣየነይቲ ኢያ፧ (ለ) ሊቀ ኻህናት ናይዛ ቤት መቕደስ እዚኣ መን ኢዩ: ቅድስተ ቅዱሳናኸ እንታይ ኢዩ፧

2 እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ቤት መቕደስ: ቃል ብቓሉ እታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤት መቕደስ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ: ምኽንያቱ እተን ናይ መጨረሽታ ኣብኡ ዝነበራ ኣብያተ መቕደስ: ሮማውያን ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣጥፊኦምወን ኢዮም። ይኹን እምበር: ቅድሚ እቲ ጥፍኣት እቲውን ከይተረፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ክሳዕ እዚ ግዜና እትቕጽል ካልእ ቤት መቕደስ ከም እተራእየት ገሊጹ ኢዩ። እዚኣ መፈጸምታ ናይታ ብትንቢታዊ መገዲ መጀመርታ በቲ ማሕደር: ጸኒሑ ኸኣ በተን ኣብ የሩሳሌም እተሃንጻ ኣብያተ መቕደስ ተመሲላ ዝነበረት ዓባይ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ኢያ። እዚኣ እታ ‘ጐይታ [“የሆዋ:” NW] ደኣ እምበር: ሰብ ዘይተኸላ ድንኳን ሓቂ’ ኢያ: ሊቀ ኻህናታ ኸኣ እቲ ጳውሎስ “ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ” ኢሉ ዝገልጾ የሱስ ኢዩ። ቅድስተ ቅዱሳና ኣብ ሰማይ ኣብቲ የሆዋ ዝነብረሉ ቦታ ኢዩ።—እብራውያን 8:1, 2፣ 9:11, 24

3. ኣብቲ ማሕደር (ሀ) እቲ ንቅድስተ ቅዱሳን ካብ ቅድስቲ ዝፈሊ መጋረጃ: (ለ) እቲ መስዋእቲ እንስሳታት: (ሐ) እቲ መሰውኢ: እንታይ የመልክት፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ንቕድስተ ቅዱሳን ካብታ ቅድስቲ ክፍሊ ዝፈሊ መጋረጃ ናይቲ ማሕደር ንስጋ የሱስ ከም ዝምሰል ገለጸ። የሱስ ህይወቱ ምስ ሰውአ እዚ መጋረጃ እዚ ኣብ ክልተ ተተርተረ: እዚ ኸኣ ድሕሪ ደጊም የሱስ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ሰማይ ንኸይኣቱ ስግኡ ሓጹር ከም ዘይኰኖ የርኢ። ብመስዋእቲ የሱስ: እቶም ብተኣማንነት ዝሞቱ ቅቡኣት ንኡሳን ካህናትውን ብግዜኦም ናብ ሰማይ ክኸዱ ኢዮም። (ማቴዎስ 27:50, 51፣ እብራውያን 9:3፣ 10:19, 20) ጳውሎስ: እቲ ብቐጻሊ ኣብቲ ማሕደር ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳታት: ነታ የሱስ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝሰውኣ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ከም ዘመልክት እውን ገለጸ። እቲ ኣብ ኣጸድ ዝነበረ መሰውኢ: ነቲ ምእንቲ እቶም ‘ንምድሓን ዝጽበይዎ’ “ብዙሓት” ሰባት— ካብቶም ቅቡኣት ጸኒሑ ኸኣ ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ—እተዋህበ መስዋእቲ የሱስ: ከም እተቐበሎ ዘርኢ ብፍቓዱ ዝዀነ ናይ የሆዋ ምድላው የመልክት።—እብራውያን 9:28፣ 10:9, 10፣ ዮሃንስ 10:16

4. (ሀ) እታ ቅድስቲ ክፍሊ እንታይ ተመልክት፧ (ለ) እቲ ውሽጣዊ ኣጸድ: እንታይ የመልክት፧

4 ካብዚ መለኮታዊ ድራኼ ዘለዎ ሓበሬታ እዚ: እታ ኣብ ማሕደር ዝነበረት ቅድስቲ ክፍሊ: መጀመርታ ክርስቶስ ድሓር ከኣ እቶም ቅቡኣት ኣባላት ናይቲ ንግስነትን ክህነትን ዘቝሙ 144,000 ቅድሚ በቲ “መጋረጃ” ምሕላፎም ኣብ ምድሪ ከለዉ ዘስተማቕርዎ ቅዱስ ኵነታት ኢያ እተመልክት ኢልና ክንድምድም ንኽእል ኢና። (እብራውያን 6:19, 20፣ 1 ጴጥሮስ 2:9) እዛ ቕድስቲ ክፍሊ ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ የሱስ ወዱ ከም ዝዀነ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ደድሕሪ ምጥማቑ ኣፍልጦ ዝሃበሉ: ንሳቶም እውን ከም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ: ፍሉይ ውልድነት ከም እተቐበሉ ተመልክት። (ሉቃስ 3:22፣ ሮሜ 8:15) ብዛዕባ ውሽጣዊ ኣጸድ: እቲ መስዋእቲ ዝግበሮ ዝነበረ ከምኡውን ኣብቲ ማሕደር ካህናት ዘይኰኑ እስራኤላውያን ክርእይዎ ዘይክእሉ ዝነበሩ እንኮ ክፍሊኸ: እንታይ ክብሃል ይኽእል፧ እዚ: ነቲ ምእንቲ ደቅሰብ ህይወቱ ንኽህብ ዘብቅዖ ፍጹም ኣቕዋም ናይቲ ሰብ ዝዀነ የሱስ የመልክት። ነቲ ቅቡኣት ሰዓብቱ ከም ቅዱሳት መጠን ኣብ ምድሪ ኰይኖም ዘስተማቕርዎ ጻድቕ ኣቃውማ እውን የመልክት ኢዩ: እዚ ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ እተዋህቦም ኢዩ። aሮሜ 1:7፣ 5:1

ነታ ቤት መቕደስ ምስፋር

5. ኣብ ትንቢታት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ (ሀ) ምስፋር የሩሳሌም: (ለ) ምስፋር ናይታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤት መቕደስ: እንታይ ማለት ነበረ፧

5 ዮሃንስ ‘ነታ መቕደስ ኣምላኽን መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዚሰግዱን ክሰፍር’ ተነግሮ። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣብ ትንቢታት ናይ ቅዱሳት ጽሓፋት እብራይስጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስፋር: ብመሰረት እቲ ፍጹም መዐቀኒታት የሆዋ ፍትሒ ኸም ዝግበር ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ። ኣብ መዓልትታት እቲ እኩይ ዝነበረ ንጉስ ምናሴ: ትንቢታዊ ምስፋር ናይ የሩሳሌም: ነቲ ዘይልወጥ ፍርዲ ጥፍኣት ናይታ ኸተማ ዝምስክር ኢዩ ነይሩ። (2 ነገስት 21:13፣ ድጕዓ ኤርምያስ 2:8) ይኹን እምበር: ጸኒሑ ኤርምያስ የሩሳሌም ክትስፈር ምስ ረኣየ: እታ ኸተማ ከም ብሓድሽ ክትህነጽ ከም ዝዀነት ዘረጋግጽ ነበረ። (ኤርምያስ 31:39፣ ዘካርያስ 2:2-8 እውን ርአ።) ብተመሳሳሊ መገዲ: እቲ ብሰፊሕን ብዝርዝርን እተገብረ ምስፋር ናይታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤት መቕደስ: ነቶም ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ዝነበሩ ኣይሁድ እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንደገና ኣብ ዓዶም ከም ዝምለስ ውሕስነት ዝዀኖም ኢዩ ነይሩ። ጌግኦም ብምምልካት እስራኤላውያን ነቲ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ መዐቀኒታት ክበቕዕዎ ከም ዘለዎም ዘዘኻኽር እውን ኢዩ ነይሩ።—ህዝቅኤል 40:3, 4፣ 43:10

6. ዮሃንስ ነታ ቤት መቕደስን ነቶም ኣብኣ ዘምልኹ ካህናትን ብዝምልከት ክሰፍር እተነግሮ እንታይ ኢዩ፧ ግለጾ።

6 ስለዚ: ዮሃንስ ነታ ቤት መቕደስን ነቶም ኣብኣ ዘምልኹ ካህናትን ክሰፍር ክእዘዝ ከሎ: ብዛዕባ ምድላው እታ ቤት መቕደስን ብዛዕባ እቶም ኣብኣ ዝሓብሩን ዘለዎ ዕላማታት ንኸይፍጽም ንየሆዋ ዋላ ሓንቲ ዝኽልክሎ ነገር ከም ዘየለን እዞም ዕላማታት እዚኣቶም ኣብ መፈጸምትኦም ይቐርቡ ከም ዘለዉን የመልክት። ሕጂ ኵሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ኣእጋር ናይቲ ብርቱዕ መልኣኽ የሆዋ ኢዩ ዘሎ: እቲ “ናይ ቤት እግዚአብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም” ግዜኡ ኢዩ። (ኢሳይያስ 2:2-4) ናይ ህዝበ-ክርስትያን ክሕደት ንነዊሕ ክፍለ-ዘበናት ድሕሪ ምቕጻሉ: ናይ የሆዋ ንጹህ ኣምልኾ ክብ ክብል ኣለዎ። እቶም ዝሞቱ እሙናት ኣሕዋት የሱስ ናብቲ “ቅድስተ ቅዱሳን” ዝትንስኡሉ ግዜ እውን ኢዩ። (ዳንኤል 9:24 NW1 ተሰሎንቄ 4:14-16፣ ራእይ 6:11፣ 14:4) እቶም ኣብ መወዳእታ ካብ ምድሪ ዝሕተሙ “ባሮት ኣምላኽና” ኸኣ ከም ብመንፈስ እተወልዱ ደቂ ኣምላኽ መጠን: ኣብቲ ናይ ቤት መቕደስ ምድላው ዘሎዎም ነባሪ ቦታ ምእንቲ ክበቕዑ: ብመለኮታዊ መዐቀኒታት ክስፈሩ ኣለዎም። እቲ ሎሚ ዘሎ ክፍሊ ዮሃንስ ነዚ ቕዱስ መዐቀኒታት እዚ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኢዩ: ብእኡ ክመላለስ እውን ወሲኑ ኢዩ።—ራእይ 7:1-3፣ ማቴዎስ 13:41, 42፣ ኤፌሶን 1:13, 14፣ ምስ ሮሜ 11:20 ኣረኣእዮ።

ምርጋጽ ናይቲ ኣጸድ

7. (ሀ) ዮሃንስ ነቲ ኣጸድ ከይሰፍር እተነግሮ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እታ ቕድስቲ ኸተማ ን42 ወርሒ እተረግጸት መዓስ ኢያ፧ (ሐ) ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ን42 ወርሒ ነቲ ጻድቕ መዐቀኒታት የሆዋ ካብ ምሕላው ዝሰነፉ ብኸመይ ኢዮም፧

7 ዮሃንስ ነቲ ኣጸድ ከይሰፍሮ እተኸልከለ ስለምንታይ ኢዩ፧ በዚ ቃላት እዚ ገይሩ ይነግረና:- “እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ [“ኣጸድ:” NW] ግና ነህዛብ ተውሂቡ እዩ እሞ: ሕደጎ ኣይትስፈሮውን: ነታ ቅድስቲ ኸተማ ኸኣ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኺረግጽዋ እዮም።” (ራእይ 11:2) እቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ነቲ ጻድቕ ኣቃውማ ናይቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብመንፈስ እተወልዱ ክርስትያናት ከም ዘመልክት ተረዲእና ኣሎና። ክንርእዮ ከም ዘሎና: እዚ ኣብዚ ተመልኪቱ ዘሎ ግዜ: እቲ ኵሎም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ ኣብ ብርቱዕ ፈተና ዝኣተዉሉ ካብ ታሕሳስ 1914 ክሳዕ ሰነ 1918 ዝነበረ ቃል ብቓሉ 42 ወርሒ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ውግእ ዓመታት: ነቲ ጻድቕ መዐቀኒታት የሆዋ ይሕልውዎዶ ይዀኑ፧ መብዛሕትኦም ኣይሓለውዎን። ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ብጠቕላላ ክርኣዩ ከለዉ: ካብ ንመለኮታዊ ሕጊ ምእዛዝ ንሃገራዊ ስምዒት ኢዮም ኣቐዲሞም። ኣብ ክልቲኡ ወገን ናይቲ መብዛሕትኡ ኣብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃገራት ዝነበረ ውግእ: ኣቕሽሽቲ: መንእሰያት ኣብቲ ዓውዲ ውግእ ንኽኸዱ ሰቢኾም ኢዮም። ሚልዮናት ድማ ተሓርዱ። ብ1918: ኣብቲ ፍርዲ ብቤት የሆዋ ዝጀመረሉ እዋን: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ኣብቲ ምፍሳስ ደም ኢዳ ኣእተወት: ኣቕሽሽቲ ናይ ብምሉኡ ህዝበ-ክርስትያን ድማ ገበን ናይቲ ክሳዕ ሕጂ መለኮታዊ ምፍዳይ ሕነ ክግበረሉ ዝጠርዕ ዘሎ ደም ተሰከሙ። (1 ጴጥሮስ 4:17) እቲ ምውዳቖም ነባሪ: ዘይልወጥ ኢዩ ዀይኑ።—ኢሳይያስ 59:1-3, 7, 8፣ ኤርምያስ 19:3, 4

8. ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብዙሓት ካብቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዮም ተገንዚቦም: ምሉእ ብምሉእ ዘይተረድእዎ ግን እንታይ ነበረ፧

8 ብዛዕባ እቶም ሒደት ጕጅለ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ኢዩ ዝብሃሎ፧ ንመለኮታዊ መዐቀኒታት ኣጥቢቖም ብምሓዞም: ብ1914 ሽዑ ንሽዑዶ ክስፈሩ ነበሮም፧ ኣይፋሎምን: ከምቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ንሳቶምውን ክፍተኑ ነበሮም። ብርቱዕ ፈተናን መስጐግትን ምእንቲ ክወርዶም ‘ነህዛብ ክወሃቡ: ተሓድጉ።’ ብዙሓት ካብኣቶም ብጻዮም ንኽቐትሉ ክኸዱ ከም ዘይብሎም ተገንዚቦም ነበሩ: እንተዀነ ግን ንክርስትያናዊ ገለልትነት ምሉእ ብምሉእ ገና ኣይተረድእዎን ነበሩ። (ሚክያስ 4:3፣ ዮሃንስ 17:14, 16፣ 1 ዮሃንስ 3:15) ገሊኦም ካብተን ሃገራት ብዝመጾም ጸቕጢ ተለማሚጦም ኢዮም።

9. እታ ብኣህዛብ እተረግጸት ቕድስቲ ከተማ እንታይ ኢያ: ኣብ ምድሪ ነዛ ከተማ እዚኣ ዝውክልከ መን ኢዩ፧

9 እታ ቕድስቲ ከተማ ብኣህዛብ እተረግጸት ከመይ ኢላ ኢያ፧ እዚ ነታ መጽሓፍ ራእይ ቅድሚ ምጽሓፋ 25 ዓመታት ኣቐዲማ እተደምሰሰት ከተማ የሩሳሌም ከም ዘየመልክት ርዱእ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ እታ ቕድስቲ ከተማ: እታ ጸኒሓ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጻ ዘላ ሓዳስ የሩሳሌም: ሕጂ ኣብ ምድሪ በቶም ኣብ ውሽጣዊ ኣጸድ ቤት መቕደስ ዘለዉ ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት እትውከል ኢያ። ኣብ ግዜኡ ኸኣ እዚኣቶም እውን ክፍሊ ናይዛ ቕድስቲ ከተማ ክዀኑ ኢዮም። ስለዚ ንዕኦም ምርጋጽ ነታ ከተማ ከም ምርጋጽ ኢዩ።—ራእይ 21:2, 9-21

እቶም ክልተ መሰኻኽር

10. እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እናተረግጹ ከለዉ እንታይ ክገብሩ ነበሮም፧

10 እዞም እሙናት እዚኣቶም እናተረግጹ ከለዉ እውን ከይተረፈ ናይ የሆዋ እሙናት መሰኻኽር ካብ ምዃን ፈጺሞም ኣየቋርጹን ኢዮም። ስለዚ እቲ ትንቢት ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ነቶም ክልተ ምስክረይውን: ወጮ ተወንዚፎም: ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺንበዩ ኽህቦም እየ። እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዚቘሙ ኽልተ ኣዋልዕን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን እዮም።”—ራእይ 11:3, 4

11. ነቶም እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ወጮ ተወንዚፍካ’ ምንባይ እንታይ ማለት ነበረ፧

11 እዞም እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም “ወጮ ተወንዚፎም” ክንበዩ ስለ ዝነበሮም ምጽማም የድልዮም ነበረ። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ ነይሩ፧ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ወጮ መብዛሕትኡ ግዜ ሓዘን ኢዩ ዘመልከት ነይሩ። ምውንዛፉ ኸኣ እቲ ሰብ ብሓዘን ወይ ብጓሂ ተደቚሱ ከም ዘሎ የመልክት ነበረ። (ዘፍጥረት 37:34፣ እዮብ 16:15, 16፣ ህዝቅኤል 27:31) ወጮ ምስቲ ነብያት ኣምላኽ ክእውጅዎ ዝነበሮም ዘሕዝን ናይ ጥፍኣት ወይ ናይ ጓሂ መልእኽትታት እተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 3:8, 24-26፣ ኤርምያስ 48:37፣ 49:3) ወጮ ምውንዛፍ ንመለኮታዊ መጠንቀቕታ ብትሕትና ምቕባል ወይ ምንሳሕ ከመልክት ይኽእል ኢዩ። (ዮናስ 3:5) እቶም ክልተ መሰኻኽር እተወንዘፍዎ ወጮ: ፍርድታት የሆዋ ንምእዋጅ ብትሕትና ዘርኣይዎ ምጽማም ኢዩ ዘመልክት። እታ ንኣህዛብ እውን ሓዘን እተምጽእ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ዝእውጁ መሰኻኽሩ ኢዮም ነይሮም።—ዘዳግም 32:41-43

12. እታ ቕድስቲ ከተማ እተረግጸትሉ ግዜ ቃል ብቓሉ ክኸውን ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ኣቐዲሙ ንእተወሰነ 1,260 መዓልትታት ወይ 42 ወርሒ ነዚ መልእኽቲ እዚ ክሰብኩ ነበሮም: እዚ ኸኣ ምስቲ እታ ቕድስቲ ከተማ እትርገጸሉ ንውሓት ግዜ ሓደ ነበረ። እዚ ግዜ እዚ ብኽልተ እተፈላለየ መገዲ: መጀመርታ ብኣዋርሕ ድሓር ከኣ ብመዓልትታት ስለ እተገልጸ: ቃል ብቓሉ ክኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ: ኣብ ምጅማር መዓልቲ ጐይታ እቲ መሪር ተመክሮ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ምስቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ትንቢታዊ ፍጻመታት እተሰማምዓሉ ፍሉጥ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ነይሩ ኢዩ: እዚ ኸኣ ካብ ታሕሳስ 1914 ኣትሒዝካ ክሳዕ ሰነ 1918 ኣብ ዝነበረ እዋን ኢዩ። (ራእይ 1:10) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህዝበ-ክርስትያንን ንዓለምን ዘለዎ ፍርዲ ዝምልከት ናይ “ወጮ” መልእኽቲ ሰበኹ።

13. (ሀ) እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብኽልተ መሰኻኽር ምምሳሎም እንታይ የመልክት፧ (ለ) ዮሃንስ ነቶም ክልተ መሰኻኽር “ኽልተ ኣዋልዕን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን” ኢሉ ምጽውዑ: እንታይ ናይ ዘካርያስ ትንቢት ኢዩ ዘዘክር፧

13 ብኽልተ መሰኻኽር ምምሳሎም ከኣ እቲ መልእኽቶም ርጡብን ጽቡቕ መሰረት ዘለዎን ምዃኑ የረጋግጽ። (ምስ ዘዳግም 17:6፣ ዮሃንስ 8:17, 18 ኣረኣእዮ።) ዮሃንስ “ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዚቘሙ ኽልተ ኣዋልዕን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን” ኢሉ ይጽውዖም። እዚ ነቲ ኣብ ናይ ዘካርያስ ትንቢት እተገልጸ ሸውዓተ ጨንፈር ዘሎዎ ቀዋሚ ቀንዴልን ክልተ ኣዋልዕን ዝጠቅስ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። እተን ኦም ኣዋልዕ ነቶም “ክልተ ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዚቘሙ ደቂ ዘይቲ [“ቅቡኣት:” NW]” ማለት ንዘሩባቤል እቲ ምስሌኔን ንእያሱ ሊቀ ኻህናትን ከም ዘመልክታ ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ።—ዘካርያስ 4:1-3, 14

14. (ሀ) እቲ ዘካርያስ ዝረኣዮ ናይ ክልተ ኦም ኣዋልዕ ትርኢት እንታይ የመልክት ነበረ: እቲ ቀዋሚ ቐንዴልከ፧ (ለ) እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እንታይ ከሕልፉ ነበሮም፧

14 ዘካርያስ ኣብ እዋን ናይ ዳግም ምህናጽ ኢዩ ዝነብር ነይሩ፣ እቲ ንሱ ዝረኣዮ ናይ ክልተ ኦም ኣዋልዕ ትርኢት ከኣ: ዘሩባቤልን ኢያሱን ነቲ ህዝቢ ኣብቲ ዕዮ ንኸበራትዕዎ መንፈስ የሆዋ ክባርኾም ምዃኑ የርኢ። እቲ ናይ ቀዋሚ ቐንዴል ትርኢት ዘካርያስ ‘ንመዓልቲ ናእሽቱ ነገር ከይንዕቕ’ ኣዘኻኸሮ: ምኽንያቱ ዕላማ የሆዋ ዝፍጸም—‘ብኽእለትን ብሓይልን ዘይኰነስ: ብመንፈሰይ [ኢዩ]: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።’ (ዘካርያስ 4:6, 10፣ 8:9) እቶም ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብዘይምቍራጽ ብርሃን ሓቂ ንደቅሰብ ዘብጽሑ ዝነበሩ ንእሽቶ ጕጅለ ክርስትያናት: ተመሳሳሊ ናይ እንደገና ምህናጽ ዕዮ ክገብሩ ነበሮም። ንሳቶምውን በቲ ምውሓዶም ንመዓልቲ ንኣሽቱ ምጅማራት ከይነዓቑ: ኣብ ሓይሊ የሆዋ ምውካል ክማሃሩን ምንጪ ናይ ምትብባዕ ክዀኑን ነበሮም።

15. (ሀ) እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ክልተ መሰኻኽር ተባሂሎም ምግላጾም እንታይ የዘኻኽረና፧ ግለጾ። (ለ) እቶም ክልተ መሰኻኽር እንታይ ዓይነት ምልክታት ክገብሩ ኢዮም ስልጣን እተዋህቦም፧

15 ክልተ መሰኻኽር ተባሂሎም ምግላጾም ድማ ነቲ የሱስ ትርኢቱ እተለወጠሉ ግዜ የዘኻኽረና። ኣብቲ ትርኢት እቲ ሰለስተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ: የሱስ ብግርማ መንግስቲ ምስ ሙሴን ኤልያስን ርኣይዎ። እዚ ኸኣ ጽላሎት ናይቲ የሱስ ብ1914 በዞም ክልተ ነብያት ተመሲሉ ዘሎ ዕዮኡ ንምፍጻም ኣብ ዝፋን ክብሩ እተቐመጦ ኢዩ። (ማቴዎስ 17:1-3) ብርግጽ እዞም ክልተ መሰኻኽር: ንሙሴን ኤልያስን ዘዘኻኽር ምልክታት ክገብሩ ይርኣዩ። ንኣብነት ዮሃንስ ብዛዕብኦም ከምዚ ይብል:- “ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደለየ ድማ: ካብ ኣፎም ሓዊ ይወጽእ እሞ ንጸላእቶም ይበልዖም። ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደለየ ኸኣ: ከምኡ ኪቕተል ይግብኦ እዩ። እዚኣቶም በተን መዓልትታት ትንቢቶም ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም ንሰማይ ኪዐጽውዎ ስልጣን አለዎም።”—ራእይ 11:5, 6ሀ

16. (ሀ) እቲ ናይ ሓዊ ምልክት: ነቲ ኣብ እስራኤል ንስልጣን ሙሴ ብድሆ ቀሪብዎ ዝነበረ እዋን ዘዘኻኽረና ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ንተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዘስተናዓቑዎምን ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ሽግር ዘለዓዓሉሎምን ብኸመይ ኢዮም: ንሳቶምከ ብኸመይ ተቓለስዎ፧

16 እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ እስራኤል ንስልጣን ሙሴ ብድሆ ኣጋጢምዎ ዝነበረ እዋን የዘኻኽረና። እቲ ነብዪ ከም ሓዊ ዝዀነ ናይ ፍርዲ ቃላት ኣውስአ: የሆዋ ኸኣ ቃል ብቓሉ ሓዊ ካብ ሰማይ ብምውራድ 250 ካብቶም ዓለወኛታት ኣጥፍአ። (ዘሁልቍ 16:1-7, 28-35) ብተመሳሳሊ: መራሕቲ ህዝበ-ክርስትያን ንተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ናይ ቴኦሎጂ ኣብያተ ትምህርቲ ዘይተመረቑ ብምባል ኣስተናዒቖሞም አዮም። መሰኻኽር ኣምላኽ ግን ከም ኣገልገልቲ መጠን ዝበለጸ ምስክር ወረቐት ኢዩ ዘሎዎም: እዚ ኸኣ እቶም ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቶም ዝሰምዑ ትሑታት ሰባት ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 3:2, 3) ብ1917 እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እትወድአ ምስጢር (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ብርቱዕ መግለጺ ናይ መጽሓፍ ራእይን ትንቢት ህዝቅኤልን ዘሎዋ መጽሓፍ ሓተሙ። ነዚ ስዒቡ ኸኣ 10,000,000 ቅዳሕ ናይቲ “ምውዳቕ ባቢሎን—ሕጂ ህዝበ-ክርስትያን በቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ክትሳቐ ዘለዋ ስለምንታይ ምዃኑ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ኣርባዕተ ገጽ ዝሓዘት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ወርሓዊ እትብሃል ትራክት (እንግሊዝኛ) ተዓደለት። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቶም እተቘጥዑ ኣቕሽሽቲ ነቲ ናይ ውግእ ቅልውላው ብምምኽናይ እታ መጽሓፍ ከም እትእገድ ገበሩ። ኣብ ካልእ ሃገራት እታ መጽሓፍ ትምርመር ነበረት። ይኹን እምበር: ኣገልገልቲ ኣምላኽ በታ ዜና ናይታ መንግስቲ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ኣርባዕተ ገጽ ዘለዋ ትራክት ገይሮም ምቅላስ ቀጸሉ። መዓልቲ ጐይታ ብዝቐጸለት መጠን ካልእ ጽሑፋት: ህዝበ-ክርስትያን ብመንፈስ ምዉት ኵነታት ከም ዘለዋ እናብርሀ ክኸይድ ነበሮ።—ምስ ኤርምያስ 5:14 ኣረኣእዮ።

17. (ሀ) ኣብ ግዜ ኤልያስ ድርቅን ሓውን ዝሓዘ ፍጻመታት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ሓዊ ካብ ኣፍ እቶም ክልተ መሰኻኽር ዝወጸ ብኸመይ ኢዩ: እንታይ ድርቂኸ ነበረ፧

17 ብዛዕባ ኤልያስከ እንታይ ንበል፧ ብግዜ ነገስታት እስራኤል: እዚ ነብዪ እዚ ከም መግለጺ ቍጥዓ የሆዋ ኣብቶም በዓል ዘምልኹ ዝነበሩ እስራኤላውያን ድርቂ ከም ዝኸውን ኣወጀ። እዚ ኸኣ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ጸንሐ። (1 ነገስት 17:1፣ 18:41-45፣ ሉቃስ 4:25፣ ያእቆብ 5:17) ድሕርዚ: እቲ ዘይእሙን ንጉስ ኣሓዚያ ወተሃደራት ልኢኹ ንኤልያስ ናብ ቤተ መንግስቱ ብሓይሊ ከምጽእዎ ምስ ሰደዶም: እቲ ነብዪ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቶም ወተሃደራት ከም ዝበልዖም ገበረ። ሓደ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ነቲ ከም ነብዪ ዝነበሮ ቦታ ግቡእ ኣኽብሮት ምስ ኣርኣየ ጥራይ ኢዩ ኤልያስ ምስኡ ናብቲ ንጉስ ክኸይድ እተሰማምዐ። (2 ነገስት 1:5-16) ብተመሳለሳሊ: ኣብ መንጎ 1914 ከምኡውን 1918 ዝነበረ ግዜ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ብትብዓት ናብቲ መንፈሳዊ ድርቂ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣመልከቱ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሓዊ ዝዀነ ፍርዲ ናይታ “ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ኣጠንቀቑ።—ሚልክያስ 4:1, 5፣ ኣሞጽ 8:11

18. (ሀ) ነቶም ክልተ መሰኻኽር እንታይ ስልጣን ኢዩ እተዋህቦም: ምስቲ ንሙሴ እተዋህበ ዝመሳሰልከ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ክልተ መሰኻኽር ንህዝበ-ክርስትያን ብኸመይ ኢዮም ዘቃልዕዋ፧

18 ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም ክልተ መሰኻኽር ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ናብ ደም ኪልውጥዎ ኣብ ልዕሊ ማያትን ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ኪቐዝፍዋን ስልጣን አለዎም።” (ራእይ 11:6ለ) ሙሴ ንፈርኦን ንእስራኤል ናጻ ክሓድጎም ምእንቲ ከእምኖ: ነታ ጨቋኒት ግብጺ ብመዓት ክወቕዓ የሆዋ ተጠቕመሉ፣ እዚ ንማይ ናብ ደም ምልዋጥ እውን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ገለ ክፍለ-ዘበናት ጸኒሑ: እቶም ጸላእቲ እስራኤል ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ‘ንግብጻውያን ብዅሉ ዓይነት መዓት ኣብ በረኻ ዝወቕዖም እዚ ኣምላኽ እዚ እዩ እሞ: ወይለና: ካብ ኢድ እዚ ሓያል ኣምላኽ እዚ መን ኬድሕነና እዩ፧’ ክሳዕ ዝብሉ ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝገበሮ ጽቡቕ ገይሮም ዘኪሮሞ ኢዮም። (1 ሳሙኤል 4:8፣ መዝሙር 105:29) ሙሴ ናይቲ ኣብ ግዜኡ ንዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ፍርዲ ኣምላኽ ክእውጅ ስልጣን ዝነበሮ የሱስ ጽላሎት ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 23:13፣ 28:18፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:22) ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከኣ እቶም ክልተ መሰኻኽር: ኣሕዋት ክርስቶስ: ነቲ ህዝበ-ክርስትያን ንመጓስኣ እትህቦ ሞት ዘስዕብ “ማይ” ኣቃሊዖምዎ ኢዮም።

እቶም ክልተ መሰኻኽር ተቐትሉ

19. ብመሰረት ጸብጻብ ናይ መጽሓፍ ራእይ: እቶም ክልተ መሰኻኽር ምስክሮም ምስ ወድኡ እንታይ ኢዩ ዝኸውን፧

19 እቲ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዝወረደ መዓት ኣዝዩ ብርቱዕ ብምንባሩ እቶም ክልተ መሰኻኽር 42 ወርሒ ወጮ ተወንዚፎም ድሕሪ ምንባዮም: ህዝበ-ክርስትያን ዓለማዊ ጽልውኣ ተጠቒማ ከም ‘ዝቕተሉ’ ገበረት። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ: እቲ ኻብ መዓሙቝ ዚወጽእ ኣራዊት ምሳታቶም ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን እዩ። ሬሳታቶም ከኣ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም እተሰቕለላ: ብመንፈሳዊ ሓሳብ ከኣ ሶዶምን ግብጽን እትብሀል ዓባይ ከተማ ኺተርፍ እዩ። ሰብ ድማ ካብ ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ነቲ ሬሳታቶም ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ይርእዩ: ነቲ ሬሳታቶምሲ ኣብ መቓብር ኪንበር ኣይፈቕዱን እዮም። እዞም ክልተ ነብያት እዚኦም ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የሰቅቕዎም ነይሮም እዮም እሞ: እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብኣታቶም ይሕጐሱ ባህውን ይብሎም: ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ውህበት ኪሰዱ እዮም።”—ራእይ 11:7-10

20. እቲ “ኻብ መዓሙቝ ዚወጽእ ኣራዊት” እንታይ ኢዩ፧

20 ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ኣራዊት ተጠቒሱሉ ዘሎ 37 ቦታታት: እዚ እቲ ቐዳማይ ኢዩ። ኣብቲ ግቡእ እዋኑ ኸኣ ብዛዕባ እዝን ካልኦት ኣራዊትን ብዝርዝር ክንምርምር ኢና። ንሕጂ ግን እቲ “ኻብ መዓሙቝ ዚወጽእ ኣራዊት” ብሰይጣን እተኣልመ ህያው ፖለቲካዊ ኣገባብ ኢዩ ምባል እኹል ኢዩ። b—ምስ ራእይ 13:1፣ ዳንኤል 7:2, 3, 17 ኣረኣእዮ።

21. (ሀ) ሃይማኖታውያን ጸላእቲ ናይቶም ክልተ መሰኻኽር ነቲ ናይ ውግእ ኵነታት ብኸመይ ኢዮም እተጠቕምሉ፧ (ለ) ሬሳ ናይቶም ክልተ መሰኻኽር ከይተቐብረ ምትራፉ እንታይ የመልክት፧ (ሐ) እቲ ናይ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓ ግዜ ብኸመይ ኢዩ ክርአ ዘለዎ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

21 ካብ 1914 ክሳዕ 1918 ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ትሑዛት እየን ነይረን። ሃገራዊ ስምዒት ኣዝዩ ውዕዉዕ ነበረ: ብጽድያ 1918 ከኣ ሃይማኖታውያን ጸላእቲ ናይቶም ክልተ መሰኻኽር ነቲ ኵነታት ተጠቕሙሉ። ናይታ ሃገር ሕጋዊ መሳርሒ ብምጥውዋይ: እቶም ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩ ኣገልገልቲ ናይ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንጻር መንግስቲ ኢዮም ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ከም ዝእሰሩ ገበርዎም። እቶም እሙናት መተዓይቶም ከኣ ቅዝዝ በሉ። ዕዮ ናይታ መንግስቲ ዳርጋ ጠጠው በለ። እቲ ናይ ስብከት ዕዮ ኸኣ ከም ዝሞተ ዀነ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ዘይምቕባር ውርደት ኢዩ ነይሩ። (መዝሙር 79:1-3፣ 1 ነገስት 13:21, 22) ስለዚ: እቶም ክልተ መሰኻኽር ከይተቐብሩ ምትራፎም ዓቢ ጸርፊ ከስዕብ ዝኽእል ኢዩ። ኣብቲ ምዉቕ ናይ ጳለስጢና ኣየር: ኣብ መገዲ እተደርበየ ሬሳ ቃል ብቓሉ ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ክጨኑ ኢዩ ዝጅምር። c (ምስ ዮሃንስ 11:39 ኣረኣእዮ።) በዚ ኸምዚ እቲ ኣብዚ ትንቢት ዘሎ ዝርዝር: ነቲ እቶም ክልተ መሰኻኽር ክጽመምዎ ዝነበሮም ሕፍረት ኢዩ ዘመልክት። እቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ እሱራት: ጕዳዮም ኣብ ይግባይ ከሎ እውን ከይተረፈ ብዋሕስ ከይወጹ ተኸልከሉ። ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስለ እተቐልዑ: ንተቐማጦ ናይታ “ዓባይ ከተማ” ሕማቕ ጨና ዀይኖሞም ኢዮም። እዛ “ዓባይ ከተማ” እዚኣ ግን መን ኢያ ነይራ፧

22. (ሀ) እታ ዓባይ ከተማ መን ኢያ፧ (ለ) እቶም ክልተ መሰኻኽር ካብ ዕዮ ብምቍራጾም ዝነበረ ሓጐስ ነቶም ኣቕሽሽቲ ጋዜጣታት እውን ዝሓገዞም ብኸመይ ኢዩ፧ (ሳጹን ርአ።)

22 ዮሃንስ ገለ ኣንፈት ይህበና። የሱስ ኣብኣ ከም እተሰቕለ ይነግር። ስለዚ ቀልጢፍና ብዛዕባ የሩሳሌም ንሓስብ። እንተዀነ ግን: እታ ዓባይ ከተማ ሶዶምን ግብጽን ኢያ ትብሃል እውን ይብል። ሓደ ግዜ ብምኽንያት እቲ ርኹስ ተግባራታ የሩሳሌም ሶዶም ተባሂላ ነይራ ኢያ። (ኢሳይያስ 1:8-10፣ ምስ ህዝቅኤል 16:49, 53-58 ኣረኣእዮ።) እታ ቐዳመይቲ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ግብጺ ኸኣ: ሓድሓደ ግዜ ንናይዛ ዓለም እዚኣ ኣገባብ ኢያ እትምሰል። (ኢሳይያስ 19:1, 19፣ ዮኤል 3:19) ስለዚ እምበኣር: እዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ ሓንቲ ንኣምላኽ አምልኽ እየ እትብል እንተዀነ ግን ከም ሶዶም ርኽስትን ሓጢኣተኛን ዝዀነት: ከም ግብጺ ኸኣ ክፍሊ ናይዚ ሰይጣናዊ ኣገባብ እዚ ዝዀነት ብልሽውቲ “የሩሳሌም” ኢያ እተመልክት። እዚኣ ንህዝበ-ክርስትያን: እዛ ዘመናዊት ዘይእምንቲ የሩሳሌም ኢያ እተመልክት: ኣባላት ናይዛ ማሕበር እዚኣ እቲ ዘጨንቕ ስብከት ናይቶም ክልተ መሰኻኽር ጠጠው ምስ በለ ንምሕጓስ ብዙሕ ምኽንያት ነበሮም።

ከም ብሓድሽ ተንስኡ!

23. (ሀ) ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን እቶም ክልተ መሰኻኽር እንታይ ይዀኑ: ኣብ ጸላእቶምከ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧ (ለ) ነቲ ኣብ ራእይ 11:11, 12 ዘሎ ከምኡውን ነቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ የሆዋ ኡፍ ዝብለሉ ኣብ ጐልጐል ዝነበረ ንቑጽ ኣዕጽምቲ እተነበዮ: ዘመናዊ ፍጻሜ ዝነበሮ መዓስ ኢዩ፧

23 ጋዜጣታት እውን ምስቶም ኣቕሽሽቲ ብምሕባር ንህዝቢ ኣምላኽ ኣነኣስዎም: ሓንቲ ጋዜጣ እኳ “ናይታ እተወድአ ምስጢር መወዳእታ ኰይኑ” በለት። እዚ ግን ፈጺሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ ነይሩ! እቶም ክልተ መሰኻኽር ሞይቶም ኣይተረፉን። ከምዚ ነንብብ:- “ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ መንፈስ ህይወት ካብ ኣምላኽ አተዎም: በእጋሮምውን ቈሙ: ነቶም ዝጠመትዎም ከኣ ብርቱዕ ፍርሃት ወደቖም እሞ: ነጀው ደይቡ: ዚብሎም ዓብዪ ድምጺ ኻብ ሰማይ ሰምዑ። ብደበና ድማ ናብ ሰማይ ደየቡ እሞ እቶም ጸላእቶም ጠመትዎም።” (ራእይ 11:11, 12) በዚ ኸምዚ ምስቲ ህዝቅኤል ኣብ ጐልጐል ዝረኣዮ ናይ ንቑጽ ኣዕጽምቲ ትርኢት ዝመሳሰል ተመክሮ ኣሕለፉ። የሆዋ ኣብቶም ንቑጻት ኣዕጽምቲ ኡፍ በለ: ህያዋን ከኣ ዀኑ፣ እዚ ኸኣ እስራኤል ድሕሪ 70 ዓመት ምርኮ ባቢሎን እንደገና ከም እትውለድ ኣመልከተ። (ህዝቅኤል 37:1-14) እዚ ኣብ ህዝቅኤልን ኣብ መጽሓፍ ራእይን ዘሎ ክልተ ትንቢታት: የሆዋ ነቶም “ዝሞቱ” መሰኻኽሩ ብ1919 ምሉእ ህይወት ምስ ሃቦም ዘደንቕ ዘመናዊ ፍጻሜኡ ረኸበ።

24. እቶም ክልተ መሰኻኽር ህያዋን ምስ ኰኑ ኣብቶም ሃይማኖታውያን ኣሳጐግቶም እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧

24 እዝስ ነቶም ዘሳጐግዎም ኣየ ከመይ ዝበለ ስንባድ ኰን ኢዩ ነይሩ! ብሃንደበት ሬሳ ናይቶም ክልተ መሰኻኽር እንደገና ህያውን ንጡፍን ኰነ። እዚ ኸኣ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ክቕበልዎ ዕረ ጥዒምዎም ኢዩ: ምኽንያቱ እቶም ከም ዝእሰሩ ዝገበርዎም ክርስትያን ኣገልገልቲ ካብ ማእሰርቲ ወጹ: ጸኒሖም ከኣ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ኰኑ። ኣብ መስከረም 1919 እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰዳር ፖይንት ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ. ዓቢ ኣኼባ ምስ ገበሩ: እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ስምባዶም ኣዝዩ ገዲዱ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ: እቲ ቅድሚ ቕሩብ ግዜ እተፈትሐ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ በታ ኣብ ራእይ 15:2 ከምኡውን ኢሳይያስ 52:7 እተመስረተት “ነታ መንግስቲ ምእዋጅ” እትብል ዝርርብ ገይሩ ነቶም ተኣከብቲ ኣነቓቕሖም። እቶም ክፍሊ ዮሃንስ እንደገና “ክንበዩ” ወይ ህዝባዊ ስብከት ክገብሩ ጀመሩ። ንናይ ህዝበ-ክርስትያን ግብዝና ከይፈርሑ ብምቅላዕ: ሓይሊ ኣብ ርእሲ ሓይሊ ወሰኹ።

25. (ሀ) ነቶም ክልተ መሰኻኽር “ነጀው ደይቡ” እተባህለሎም መዓስ ኢዩ ነይሩ: እዚኸ ብኸመይ ተፈጸመ፧ (ለ) ናይቶም ክልተ መሰኻኽር እንደገና ምምላስ ኣብታ ዓባይ ከተማ እንታይ ስምባድ ኣስዓበ፧

25 ህዝበ-ክርስትያን ነቲ ናይ 1918 ዓወታ ንኽትደግም መመሊሳ ፈቲና ኢያ። ናብ እምባጋሮ ምልዓል: ንሕጊ ምጥውዋይ: ምእሳር: ምቕታልውን ከይተረፈ ተጸግዐት: ኣሳልጦ ግን ኣይረኸበትሉን! ድሕሪ 1919 መንፈሳዊ ግዝኣት ናይቶም ክልተ መሰኻኽር ንሳ ክትበጽሖ ዘይትኽእል ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ዓመት እቲ የሆዋ “ነጀው ደይቡ” በሎም: ንሳቶም ከኣ ናብቲ ጸላእቶም ክርእይዎም ዝኽእሉ ክትንክፍዎም ግን ዘይክእሉ ክብ ዝበለ መንፈሳዊ ኵነታት ደየቡ። ዮሃንስ እቲ ምምላሶም ኣብታ ዓባይ ከተማ ዘስዓቦ ስምባድ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “በታ ሰዓት እቲኣ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ: ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ወደቐ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሾብዓተ ሽሕ ሰባት ተቐትሉ: ነቶም ዝተረፉ ድማ ፍርሃት ሐዞም ንኣምላኽ ሰማይውን ክብሪ ሀብዎ።” (ራእይ 11:13) ኣብቲ ሃይማኖታዊ ግዝኣት ብሓቂ ዓቢ ምንዋጻት ነበረ። እዞም ኣካል ናይቶም እንደገና ህያዋን ዝዀኑ ክርስትያናት ዕዮኦም ምስ ጀመሩ: መራሕቲ ናይዘን ድልዱላት ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲኦም መሬት ዝነቓነቕ ዘሎ ኰይኑ ተሰምዖም። ዕሽር ናይ ከተምኦም: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ 7,000 ሰባት: ኣጸቢቖም ስለ እተጠቕዑ ከም እተቐትሉ ኰይኑ ተዘርበሎም።

26. እቲ ኣብ ራእይ 11:13 ዘሎ ‘ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማ’ ከምኡውን “ሾብዓተ ሽሕ” ዝብል ንመን ኢዩ ዘመልክት፧ ግለጾ።

26 እቲ ‘ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማ’ ዝብል ኣዘራርባ: ነቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ ጥንታዊት የሩሳሌም ካብ ጥፍኣት እታ ኸተማ ዕሽር ከም ቅዱስ ዘርኢ ክድሕን ምዃኑ እተነበዮ የዘኻኽረና። (ኢሳይያስ 6:13) ብተመሳሳሊ እቲ 7,000 ዝብል ቍጽሪ: ኤልያስ ኣብ እስራኤል እሙን ንሱ ጥራይ ከም ዝተረፈ ምስ መሰሎ: የሆዋ ገና ንበዓል ዘይሰገዱ 7,000 ሰባት ኣለዉ ዝበሎ: የዘኻኽረና። (1 ነገስት 19:14, 18) ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ 7,000 እዚ: ነቶም ብዛዕባ ክርስቶስ ዝነግር ብስራት እተቐበልዎ ተረፍ ኣይሁድ የመልክት በለ። (ሮሜ 11:1-5) እዚ ጥቕስታት እዚ: እቲ ኣብ ራእይ 11:13 ዘሎ “ሾብዓተ ሽሕ” ከምኡውን ‘ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማ’ ዝብል: ነቶም ህያዋን ዝዀኑ ክልተ መሰኻኽር እተቐበሉን ነታ ሓጥእ ዓባይ ከተማ ዝጠንጠኑን ሰባት ምዃኖም ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ንሳቶም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ካብ ህዝበ-ክርስትያን ከም ዝሞቱ ኢዮም። ኣስማቶም ኣባላታ ካብ ምዃን ይስረዝ። ብናታ ኣረኣእያ ንሳቶም ከም ዘየለዉ ኢዮም። d

27, 28. (ሀ) እቶም ‘ዝተረፉ ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ዝህብዎ’ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን እንታይ ኣፍልጦ ክህቡ ኢዮም እተገደዱ፧

27 እንተዀነ ግን: እቶም ‘ዝተረፉ [ናይ ህዝበ-ክርስትያን] ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ዝህብዎ’ ብኸመይ ኢዮም፧ ብርግጽ ነታ ከሓዲት ሃይማኖቶም ብምጥንጣንን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃንን ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ: ከምቲ ናይ ቪንሰንት ወርድ ስታዲስ ኢን ዘ ኒው ተስታመንት (እንግሊዝኛ) ነታ “ንኣምላኽ ሰማይውን ክብሪ ሀብዎ” እትብል ሓረግ ከረድእ ከሎ: ገሊጽዎ ዘሎ ኢዩ። ኣብኡ ከምዚ ይብል:- “እቲ ሓረግ ሃይማኖት ምልዋጥ: ወይ ነስሓ: ወይ ምምስጋን ዘይኰነስ ኣፍልጦ ምሃብ ኢዩ ዘመልክት: እዚ ኸኣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ልሙድ ትርጕም ኢዩ። ምስ እያሱ vii:19 (ሰብዓ ሰገድ) ኣረኣእዮ። ዮሃንስ ix:24፣ ግብሪ ሃዋርያት xii:23፣ ሮሜ iv:20።” ንመዋረዲኣ: ህዝበ-ክርስትያን ኣምላኽ ናይቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈት ከም ዝምለሱ ብምግባሩ: ዓቢ ነገር ከም ዝፈጸመ ኣፍልጦ ክትህብ ነበራ።

28 እቶም ኣቕሽሽቲ ብሓሳቦም: ወይ ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ኢዮም እዚ ኣፍልጦ እዚ ሂቦም ክዀኑ ዝኽእሉ። ርግጽ ኢዩ ዋላ ሓደ ካብኦም ብግልጺ ንኣምላኽ ናይቶም ክልተ መሰኻኽር ኣፍልጦ ዝሃበ የለን። እቲ የሆዋ ብዮሃንስ ኣቢሉ ዝሃቦ ትንቢት ግን: ኣብ ልቦም እንታይ ከም ዝነበረ ንኽንርዳእን ነቲ ብ1919 እተመከርዎ ዘዋርድ ስንባድ ንኸነስተውዕሎን ይሕግዘና። ካብታ ዓመት እቲኣ ኣትሒዙ: ህዝበ-ክርስትያን ኣባጊዓ ክትሕዝ እኳ እንተጸዓረት እቶም “ሾብዓተ ሽሕ” እናሓደግዋ ምስ ከዱ: ኣቕሽሽቲ ኣምላኽ ናይቶም ክፍሊ ዮሃንስ ካብ ኣምላኾም ከም ዝሕይል ኣፍልጦ ክህቡ ተገደዱ። ኣብቲ ጸኒሑ ዝስዓበ ዓመታት ብዙሓት ካብ መጓስኦም ነቲ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኣምለኽቲ በዓል ምስ ተዓወተ እቶም ሰባት “እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ: እግዚኣብሄር ንሱ ኢዩ ኣምላኽ” ዝበልዎ ብምድጋም: ክሓድግዎም ምስ ረኣዩ ነዚ ኣጸቢቖም ከስተውዕልዎ ነበሮም።—1 ነገስት 18:39

29. ዮሃንስ ቀልጢፉ ይመጽእ ኣሎ ዝበሎ እንታይ ኢዩ: ንህዝበ-ክርስትያንከ እንታይ ተወሳኺ ምንዋጽ ኢዩ ዝጽበያ ዘሎ፧

29 እንተዀነ ግን ጽን እሞ በል! ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “እቲ ኻልኣይ ወዮ ሐሊፉ: እንሆ: እቲ ሳልሳይ ወዮ ቐልጢፉ ይመጽእ አሎ።” (ራእይ 11:14) ህዝበ-ክርስትያን በቲ ክሳዕ ሕጂ ዝዀነ ካብ ተናወጸት: እቲ ሳልሳይ ወዮ ምስ ተኣወጀ: እቲ ሻውዓይ መልኣኽ መለኸት ምስ ነፍሐ: ከምኡውን ኣብ መወዳእታ እቲ ቅዱስ ምስጢር ኣምላኽ ምስ ተፈጸመ ደኣ እንታይ ክትገብር ኢያ፧—ራእይ 10:7

[እግረ-ጽሑፋት]

a ምሉእ መግለጺ ናይዛ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ንምርካብ ነታ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ “ናይ የሆዋ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ-መቕደስ” እትብል ዓንቀጽ ከምኡውን ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1972 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “እተምልኸላ እንኮ ናይ ሓቂ ቤት መቕደስ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

b “መዓሙቝ” (ብግሪኽ ኣʹቢስ·ሶስ፣ ብእብራይስጢ ተሆህምʹ) ብምሳልያዊ መገዲ ንሓደ ምንቅስቓስ ዘይብሉ ቦታ ኢዩ ዘመልክት። (ራእይ 9:2 ርአ።) ይኹን እምበር: ቃል ብቓሉ ነቲ ሰፊሕ ባሕሪ እውን ከመልክት ይኽእል ኢዩ። እታ ናይ እብራይስጢ ቃል ብዙሕ ግዜ “መዓሙቝ ማያት” ተባሂላ ትትርጐም ኢያ። (መዝሙር 71:20 NWመዝሙር 106:9 NWዮናስ 2:5 NW) በዚ ኸምዚ: እቲ “ኻብ መዓሙቝ ዚወጽእ ኣራዊት” ምስቲ ‘ካብ ባሕሪ ዝወጽእ ኣራዊት’ ሓደ ምዃኑ ክርአ ይከኣል ኢዩ።—ራእይ 11:7፣ 13:1

c ህዝቢ ኣምላኽ በቲ ግዜ እቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ክንምርምር ከሎና: እተን 42 ወርሒ ቃል ብቓሉ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ክዀና ከለዋ፣ እተን ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ግን ቃል ብቓሉ 84 ሰዓት ከም ዘይኰና ኣስተውዕል። ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ክልተ ግዜ ምጥቃሱ (ኣብ ቍጽሪ 9 ከምኡውን 11) ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ቃል ብቓሉ ናይ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ንጥፈት ተወዳዲሩ: ሓጺር እዋን ክኸውን ከም ዝዀነ ኢዩ ዘጕልሕ።

d ናይተን ‘ዝሞተ:’ ‘ሞይቱ’ ከምኡውን ‘ህያው’ ዝብላ ቃላት ኣጠቓቕማ: ምስ ሮሜ 6:2, 10, 11፣ 7:4, 6, 9፣ ገላትያ 2:19፣ ቈሎሴ 2:20፣ 3:3 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ኣረኣእዮ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 168 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ራእይ 11:10 ተገሊጹ ዘሎ ምሕጓስ

ረይ ኤች. ኣብራምስ ኣብታ ፕሪቸርስ ፕረዘንት ኣርምስ እትብሃል ብ1933 እተሓትመት መጽሓፉ (እንግሊዝኛ): ኣቕሽሽቲ ነታ እተወድአ ምስጢር እትብሃል ብተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተሓትመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ): ብርቱዕ ምጽራር ከም ዝነበሮም ይጠቅስ። እቶም ኣቕሽሽቲ ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ “ፌራ ዝዀነ ምሕባሎምን” ካብኦም ንምርሓቕ ዝገበርዎ ጻዕሪ ይነግር። እዚ ኸኣ ንጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድን እቶም ሸውዓተ ብጾቱን ነዊሕ ዓመታት ንኽእሰሩ ዝበየነ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ኣስዓበ። ዶ/ክ ኣብራምስ ቀጺሉ ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “ንብምሉኡ እቲ ጕዳይ ምምርማር: እተን ኣብያተ ክርስትያናትን እቶም ኣቕሽሽትን ንራስላውያን ንምጥፋእ ብድሕሪ እቲ ምንቅስቓስ ከም ዝነበሩ ናብ ምድምዳም ይመርሕ። ለካቲት 1918 ኣብ ካናዳ እቶም ኣቕሽሽቲ ኣንጻሮምን ኣንጻር ጽሑፋቶምን ብሕልፊ ከኣ ኣንጻር እታ እተወድአ ምስጢር እትብሃል መጽሓፍ ብሜላ ተዋፈሩ። ብመሰረት ናይ ዊኒፔግ ትሪቢዩን ጋዜጣ: . . . ምእጋድ ናይ መጽሓፎም ብቐጥታ በቲ ‘ጥርዓናት ናይ ኣቕሽሽቲ’ ዝመጸ ምዃኑ ኢዩ ዝእመን።”

ዶ/ክ ኣብራምስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እቶም ናይ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት: ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ዓብን ንእሽቶን ጽሑፍ: ኣዳለውቲ ዝዀኑ ወረ ናይ ዕስራ ዓመት ፍርዲ ምስ በጽሖም በቲ ፍጻመ ተሓጐሱ። ኣብ ጋዜጣታት ናይተን ነባራት ሃይማኖታት ዋላ ሓንቲ ናይ ድንጋጽ ቃላት ክረክብ ኣይከኣልኩን። ኣፕቶን ሲንክለይር ‘ዋላ ሓንቲ ዘጠራጥር ነገር ኣይነበረን: እቲ መስጐግቲ . . . በተን “ነባራት” ሃይማኖታውያን ኣካላት ዝወረዶም ጽልኢ ስለ ዝሰዓርዎ ኢዩ መጺእዎም’ ኢሉ ይድምድም። ናይ ኵለን ኣብያተ ክርስትያናት ናይ ሓባር ጻዕሪ ክገብሮ ዘይከኣለ ሕጂ መንግስቲ ኣብ ክንዲ እተን ሃይማኖታት ኰይኑ ዝገብር ዘሎ ኢዩ ዝመስል።” እቲ ጸሓፊ እተፈላለየ ዘናእስ ሓሳባት ናይ ብዙሕ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ድሕሪ ምጥቃሱ: እቲ ናይ ይግባኝ ቤት ፍርዲ ነቲ ብይን ከም ዝለወጦ ይጠቅስ: ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ብዛዕባ እዚ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ እዚ ኣብያተ ክርስትያናት ዋላ ሓንቲ ኣይበላን።”

[ኣብ ገጽ 163 ዘሎ ስእሊ]

ዮሃንስ ነታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ይሰፍር—እቶም ቅቡኣት ካህናት ነቲ መዐቀኒታት ክበቕዑዎ ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 165 ዘሎ ስእልታት]

እቲ ብዘሩባቤልን እያሱን እተገብረ ናይ ዳግመ ምህናጽ ዕዮ: ኣብ መዓልቲ ጐይታ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንንኣሽቱ ምጅማራት ዓበይቲ ወሰኻት ክስዕቦ ምዃኑ ይሕብር። ከምዞም ኣብዚ ላዕሊ ዘለዉ ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ዝርከቡ መሳለጥያታት እቲ ዝድለ ምእንቲ ከማልኡ ኣጸቢቖም ክሰፍሑ ነበሮም

[ኣብ ገጽ 166 ዘሎ ስእልታት]

ናይ ሙሴን ኤልያስን ትንቢታዊ ዕዮ ጽላሎት ናይቲ በቶም ክልተ መሰኻኽር እተኣወጀ ሓዊ ዝዀነ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 169 ዘሎ ስእልታት]

ከምቲ ንቑጽ ኣዕጽምቲ ናይ ህዝቅኤል ምዕራፍ 37 እቶም ክልተ መሰኻኽር ነቲ ዘመናዊ ናይ ስብከት ዕዮ ንምፍጻም እንደገና ተበራረበሩ