ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ—እቲ ዘሐጕስ ውጽኢቱ!

ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ—እቲ ዘሐጕስ ውጽኢቱ!

ምዕራፍ 41

ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ፍርዲ—እቲ ዘሐጕስ ውጽኢቱ!

ትርኢት 15​—ራእይ 20:11-21:8

ቀንዲ መልእኽቲ:- ሓፈሻዊ ትንሳኤ፣ መዓልቲ ፍርዲ፣ ናይ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን በረኸት

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት

1. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ ወድሰብ እንታይ ኣጥፍአ፧ (ለ) እንታይ ናይ ኣምላኽ ዕላማ ኢዩ ዘይተለወጠ: ብኸመይከ ንፈልጥ፧

 ከም ሰብ መጠን ንዘለኣለም ክንነብር ኢና ተፈጢርና። ኣዳምን ሄዋንን ንትእዛዛት ኣምላኽ ሓልዮም ነይሮም እንተ ዝዀኑ ፈጺሞም ኣይምሞቱን። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:8, 16, 17፣ መክብብ 3:10, 11) ሓጢኣት ምስ ፈጸሙ ግን ንገዛእ ርእሶምን ንዘርኦምን ፍጽምናን ህይወትን ኣጥፍኡ: ሞት ከኣ ከም ንሕስያ ዘይብሉ ጸላኢ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ገዝአ። (ሮሜ 5:12, 14፣ 1 ቈረንቶስ 15:26) እቲ ፍጹማት ሰባት ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ ዝብል ዕላማ ኣምላኽ ግን ኣይተለወጠን። በቲ ኣብ ደቅሰብ ዘለዎ ዓቢ ፍቕሪ ተደሪኹ: ነቲ ምእንቲ “ብዙሓት” ደቂ ኣዳም ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ በጃ ዝሃበ ሓደ ወዱ: የሱስ ናብ ምድሪ ለኣኾ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16) ሕጂ የሱስ ነቶም ኣመንቲ ደቅሰብ ኣብ ምድራዊት ገነት ናብ ፍጽምና ዘለዎ ህይወት ምእንቲ ክመልሶም: ነቲ ናይ መስዋእቱ ሕጋዊ መሰል ክጥቀመሉ ይኽእል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:18፣ 1 ዮሃንስ 2:2) ወድሰብ ‘ክሕጐስ ባህውን ክብሎ’ ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ ምኽንያት ኰን ክህልዎ ኢዩ!—ኢሳይያስ 25:8, 9

2. ዮሃንስ ኣብ ራእይ 20:11 እንታይ ጸብጻብ የቕርብ: እቲ ‘ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንከ’ እንታይ ኢዩ፧

2 ሰይጣን ኣብቲ መዓሙቝ ድሕሪ ምእሳሩ እቲ ናይ የሱስ ግርማዊ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክጅምር ኢዩ። ሕጂ እታ ኣምላኽ በቲ “ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ” ኢያ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:31፣ 2 ጴጥሮስ 3:8) ዮሃንስ ከምዚ ይብል:- “ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ: ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።” (ራእይ 20:11 ) እዚ ‘ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋን’ እንታይ ኢዩ፧ መንበር ፍርዲ ናይቲ “ኣምላኽ ፈራድ ኵሉ” ድኣምበር ካልእ ክኸውን ኣይክእል ኢዩ። (እብራውያን 12:23) ሕጂ ንደቅሰብ ካብቲ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ክጥቀም ዝግብኦ መን ምዃኑ ክፈርድ ኢዩ።—ማርቆስ 10:45

3. (ሀ) ዝፋን ኣምላኽ “ዓብዪ” ከምኡውን “ጻዕዳ” ተባሂሉ ምጽውዑ እንታይ የመልክት፧ (ለ) ኣብ መዓልቲ ፍርዲ መን ኢዩ ዝፈርድ: ብመሰረት እንታይከ፧

3 ዝፋን ኣምላኽ “ዓብዪ” ኢዩ: እዚ ዕቤት ናይ ሉዓላውነት የሆዋ የጕልሕ፣ ከምኡውን “ጻዕዳ” ኢዩ: እዚ ኸኣ ነቲ ኣበር ዘይብሉ ጽድቁ ይሕብር። ንሱ እቲ ዝለዓለ ፈራዲ ናይ ደቅሰብ ኢዩ። (መዝሙር 19:7-11፣ ኢሳይያስ 33:22፣ 51:5, 8) ይኹን እምበር: ነቲ ናይ ፍርዲ ዕዮ ንየሱስ ክርስቶስ ወኪልዎ ኢዩ:- “ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሀቦ እምበር: ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ።” (ዮሃንስ 5:22) ምስ የሱስ ድማ እቶም ‘ንሽሕ ዓመት [“ስልጣን:” NW] ፍርዲ እተዋህቦም’ 144,000 ኣለዉ። (ራእይ 20:4) ይኹን እምበር: ኣብቲ መዓልቲ ፍርዲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክበጽሖ ዘለዎ ብመሰረት ናይ የሆዋ መለክዒታት ኢዩ ዝውሰን።

4. ‘ምድርን ሰማይን ሃደሙ’ እንታይ ማለት ኢዩ፧

4 ‘ምድርን ሰማይን ሃደሙ’ እተባህለኸ ብኸመይ ኢዩ፧ እዚ ሰማይ እዚ: ምስቲ ሻድሻይ ማሕተም ምስ ተፈትሐ ከም ጥቕላል ኰይኑ ዝሃደመ ሰማያት ሕደ ኢዩ: እዚ ኸኣ እቲ “ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ” ዝሕለዉ ዘለዉ ሰብኣውያን ገዛእቲ የመልክት። (ራእይ 6:14፣ 2 ጴጥሮስ 3:7) ምድሪ ኣብ ትሕቲ እዚ ግዝኣት እዚ ዘሎ እተመሓደረ ኣገባብ ኢዩ። (ራእይ 8:7) እቲ ኣራዊትን ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ምስቶም ማሕተም ናይቲ ኣራዊት እተቐበሉን እቶም ንምስሉ ዝሰግዱን ሓቢሮም ክጠፍኡ ከለዉ: ምህዳም ናይዚ ሰማይን ምድርን እዚ የመልክት። (ራእይ 19:19-21) ኣብ ልዕሊ ናይ ሰይጣን ምድርን ሰማይን ፍርዲ ኣውሪዱ ምስ ወድአ: እቲ ዓቢ ፈራዲ ካልእ መዓልቲ ፍርዲ ይእውጅ።

እታ ናይ ሽሕ ዓመት መዓልቲ ፍርዲ

5. እታ ኣረጊት ምድርን እቲ ኣረጊት ሰማይን ድሕሪ ምህዳሞም: እቶም ንፍርዲ ዝቐርቡ መን ኢዮም፧

5 እታ ኣረጊት ምድርን እቲ ኣረጊት ሰማይን ድሕሪ ምህዳሞም: ዝፍረዱ መን ኢዮም፧ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ናይቶም 144,000 ኣይኰኑን: ከመይሲ እዚኣቶም ድሮ ተፈሪዶምን ተሓቲሞምን ኢዮም። ገለ ኻብቶም ቅቡኣት ድሕሪ ኣርማጌዶን ገና ብህይወት ዚጸንሑ እንተደኣ ኣልዮም: ድሕሪኡ ኣብ ሓጺር ግዜ ክሞቱን ካብ ምዉታት ተንሲኦም ከኣ ሰማያዊ ዓስቦም ክረኽቡን ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 4:17፣ ራእይ 7:2-4) ይኹን እምበር: እቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዝመጹ ዓቢ ጭፍራ ‘ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን’ ደው ኢሎም ኣለዉ። እዚኣቶም ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ እምነት ስለ ዘርኣዩ ድሮ ንድሕነት ከም ዝበቕዑ ጻድቃን ተቘጺሮም ኢዮም: እንተዀነ ግን: የሱስ “ናብ ዔላታት ማይ ህይወት” እናመርሖም ከሎ እቲ ፍርዶም ክሳዕ ሽሕ ዓመት ክቕጽል ኢዩ። ብድሕርዚ: ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ምስ በጽሑን ምስ ተፈተኑን ምሉእ ብምሉእ ጻድቃን ክብሃሉ ኢዮም። (ራእይ 7:9, 10, 14, 17) ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዝደሓኑ ቈልዑን ከምኡውን ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ዝውለዱ ቈልዑን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ክፍረዱ ከድልዮም ኢዩ።—ምስ ዘፍጥረት 1:28፣ 9:7፣ 1 ቈረንቶስ 7:14 ኣረኣእዮ።

6. (ሀ) ዮሃንስ እንታይ ህዝቢ ኢዩ ዝርኢ: እተን “ዓበይትን ናእሽቱን” ዝብላ ቃላት እንታይ የመልክታ፧ (ለ) እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ዘይቍጸሩ ሚልዮናት ብዘይጥርጥር ብኸመይ ኢዮም ዝትንስኡ፧

6 ይኹን እምበር: ዮሃንስ ካብቶም ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዝድሕኑ ዓቢ ጭፍራ ብእተዓጻጸፈ ዝበዝሑ ህዝቢ ይዕዘብ። ቍጽሮም ብኣሽሓት ሚልዮናት ክኸውን ኢዩ! “ምዉታት ድማ: ዓበይትን ናእሽቱን: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ: መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ።” (ራእይ 20:12ሀ) “ዓበይትን ናእሽቱን” ነቶም ኣብዚ ዝሓለፈ 6,000 ዓመታት ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዝነበሩ እሞ ዝሞቱ ምርኡያትን ተራን ሰባት ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብታ ዮሃንስ ንመጽሓፍ ራእይ ደድሕሪ ምጽሓፉ ዝጸሓፋ ወንጌል: የሱስ ብዛዕባ ኣቦ ክዛረብ ከሎ “ወዲ ሰብ እዩ እሞ: ኪፈርድ [ንየሱስ] ስልጣን ሀቦ። ኣብ [“ዝኽሪ:” NW] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት: እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ: በዚ ኣይትደነቑ።” (ዮሃንስ 5:27-29) እዚ ብሓቂ ዘደንቕ ፕሮጀክት ኢዩ: ኵሉ እቲ ኣብ ታሪኽ ዘጋጠመ ሞትን መቓብራትን ከም ዘይነበረ ክኸውን ማለት ኢዩ! ብዘይጥርጥር እዞም ዘይቍጸሩ ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ምዉታት: እቶም ምስኦም ተወዳዲሮም ሒደት ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ነቲ ዝልዓል ግድላት ምእንቲ ክፈትሕዎ ክኽእሉ በብተራ ኢዮም ክትንስኡ: ከመይሲ እቶም ዝተንስኡ ሰባት ኣብ መጀመርታ ነቲ ናይ ቀደም ኣነባብርኦም: ምስቲ ስጋዊ ድኻማቱን ኣረኣእያታቱን: ንምስዓብ ዝንባለ ክህልዎም ኢዩ።

እቶም ዝትንስኡን ዝፍረዱን መን ኢዮም፧

7, 8. (ሀ) እንታይ ጥቕላል ኢዩ ዝኽፈት: ብድሕሪኡኸ እንታይ ኢዩ ዝኸውን፧ (ለ) ትንሳኤ ዘይብሎም መን ኢዮም፧

7 ዮሃንስ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ካልእ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ከኣ ተገንጸለ: እዚውን እቲ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ: ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ: ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።” (ራእይ 20:12ለ, 13) ብሓቂ ውኖኻ ዝምስጥ ትርኢት ኢዩ! ‘ባሕርን ሞትን ሲኦልን’ ነፍሲ ወከፎም ግደ ክህልዎም ኢዩ: እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን ኣብ ንሓድሕዱ እተፈላለየ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። a ዮናስ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ከብዲ ዓሳ ከሎ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣብ ሲኦል ወይ ሃደስ ከም ዝነበረ ገይሩ ይዛረብ። (ዮናስ 2:3) ሓደ ሰብ ብኣዳማዊ ሞት ተታሒዙ እንተድኣ ኣልዩ: ኣብ ሲኦል ኢዩ ዝህሉ። እዘን ትንቢታውያን ቃላት እዚኣተን: ዋላ ሓደ ሸለል ዝብሃል ከም ዘየለ ጽኑዕ መረጋገጺ ይህባ።

8 ብርግጽ: ቍጽሮም ዘይፍለጥ ካብ ምዉታት ዘይትንስኡ ኣለዉ። ካብዚኣቶም ከኣ እቶም ንክርስቶስን ንሃዋርያትን ዝነጸጉ ዘይተናስሑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን: እቲ ሃይማኖታዊ “ሰብኣይ ዓመጻ:” ከምኡውን ‘ዝወደቑ’ ቅቡኣት ክርስትያናትን ክህልዉ ኢዮም። (2 ተሰሎንቄ 2:3፣ እብራውያን 6:4-6፣ ማቴዎስ 23:29-33) የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ መወዳእታ ዓለም “ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ” “ናይ ዘለኣለም ስቓይ [“ምቝራጽ:” NW]” ዝኸዱ ኣጣል መሰል ሰባት እውን ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 25:41, 46) እዚኣቶም ትንሳኤ የብሎምን።

9. ጳውሎስ ኣብ ትንሳኤ ገሊኦም ብፍልይ ዝበለ መገዲ ከም ዝርኣዩ ብኸመይ ኣመልከተ: እዚኣቶምከ ንመን የጠቓልሉ፧

9 በቲ ሓደ ወገን ከኣ: ገሊኦም ኣብ ትንሳኤ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ክረኣዩ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ” ክብል ከሎ ነዚ ኣመልኪቱ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ነቲ ምድራዊ ትንሳኤ ብዝምልከት ‘ጻድቃን’ ንኸም ኣብርሃም: ርሃብ: ከምኡውን ብዙሓት ካልኦት በቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ዕርክነት ጻድቃን እተባህሉ ናይ ጥንቲ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን የጠቓልል። (ያእቆብ 2:21, 23, 25) ኣብዚ ጕጅለ እዚ እቶም ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ዝሞቱ ጻድቃን ዝዀኑ ካልኦት ኣባጊዕ ክህልዉ ኢዮም። ኵሎም እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሓለውቲ ንጽህና ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ ኣብ መጀመርታ ኢዮም ዝትንስኡ። (እዮብ 14:13-15፣ 27:5፣ ዳንኤል 12:13፣ እብራውያን 11:35, 39, 40) ብዘይጥርጥር: ብዙሓት ካብዞም ዝትንስኡ ጻድቃን ነቲ ገነት ኣብ ምምላስ ዝህሉ ብዙሕ ዕዮ ንኽዕዘቡ ፍሉይ መሰል ክረኽቡ ኢዮም።—መዝሙር 45:16፣ ምስ ኢሳይያስ 32:1, 16-18፣ 61:5፣ 65:21-23 ኣረኣእዮ።

10. ካብቶም ዝትንስኡ እቶም ‘ሓጥኣን’ መን ኢዮም፧

10 እቶም ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 እተጠቕሱ ‘ሓጥኣን’ ግን መን ኢዮም፧ እዚኣቶም ነቶም ኣብ ብምሉኡ ዘበናት ዝሞቱ: ብሕልፊ እቶም ኣብ “ዘመን ድንቍርና” ዝነብሩ ዝነበሩ ብዙሓት ደቅሰብ ዘጠቓልሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:30) እዚኣቶም ብምኽንያት እቲ እተወልድሉ ቦታ ወይ ከኣ እቲ እተወልድሉ ግዜ: ንፍቓድ ኣምላኽ እዙዛት ንኽዀኑ ክማሃሩ ኣጋጣሚ ኣይረኸቡን። ብተወሳኺ: ነቲ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ዝሰምዑ እንተዀነ ግን ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ግዜ እቲ መልሲ ዘይሃቡ: ወይ ኣብ ህይወትካ ምውፋይን ምጥማቕን ከይበጽሑ ዝሞቱ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ትንሳኤ እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ካብዚ ኣጋጣሚ እዚ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምርካብ ክጥቀሙ እንተድኣ ኰይኖም: ኣብ ኣተሓሳስብኦምን ኣብ ኣነባብርኦምን ተወሳኺ ምትዕርራይ ክገብሩ ከድልዮም ኢዩ።

ጥቕላል ህይወት

11. (ሀ) “ጥቕላል ህይወት” እንታይ ኢዩ: ኣብዚ ጥቕላል እዝኸ ናይ መን ስም ኢዩ ዝምዝገብ፧ (ለ) እቲ ጥቕላል ህይወት ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ዝኽፈት ስለምንታይ ኢዩ፧

11 ዮሃንስ ብዛዕባ “ጥቕላል ህይወት” ይዛረብ። እዚ ናይቶም ካብ የሆዋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ዝበቕዑ መዝገብ ኢዩ። ስም ናይቶም ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ: ናይቶም ዓቢ ጭፍራ: ከምኡውን ናይቶም ከም ብዓል ሙሴ ዝኣመሰሉ ናይ ጥንቲ እሙናት ሰባት ኣብዚ ጥቕላል እዚ ተመዝጊቡ ኢዩ። (ዘጸኣት 32:32, 33፣ ዳንኤል 12:1፣ ራእይ 3:5) ዋላ ሓደ ካብቶም ‘ሓጥኣን’ ስሙ ኣብዚ ጥቕላል ህይወት እዚ ኣይተጻሕፈን። ስለዚ ስም ናይቶም ዝበቕዑ ምእንቲ ክጽሓፍ እቲ ጥቕላል ህይወት ኣብቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክኽፈት ኢዩ። እቶም ስሞም ኣብቲ ጥቕላል ወይ መጽሓፍ ህይወት ዘይጽሓፍ ከኣ ‘ናብቲ ቐላይ ሓዊ ክድርበዩ’ ኢዮም።—ራእይ 20:15፣ ምስ እብራውያን 3:19 ኣረኣእዮ።

12. ሓደ ሰብ ስሙ ኣብቲ እተኸፍተ ጥቕላል ህይወት ክጽሓፍን ከይጽሓፍን እንታይ ኢዩ ዝውስኖ: እቲ ብየሆዋ እትሸመ ፈራዲኸ ኣብነት ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

12 ኣብቲ ግዜ እቲ ሓደ ሰብ ስሙ ኣብቲ እተኸፍተ ጥቕላል ህይወት ክጽሓፍን ከይጽሓፍን እንታይ ኢዩ ዝውስኖ፧ እቲ ቐንዲ ረቛሒ ምስቲ ኣብ ግዜ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበረ ሓደ ኢዩ: እዚ ኸኣ ንየሆዋ ምእዛዝ ኢዩ። ከምቲ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ብምባል ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም ፍቑራት ብጾቱ ክርስትያናት ዝጸሓፈሎም ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:4-7, 17 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ንምእዛዝ ብዝምልከት እቲ የሆዋ ዝሸሞ ፈራዲ ኣብነት ሰሪዑ ኢዩ: “[የሱስ] ወዲ እኳ ኽነሱ: በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ።  . . . ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ: ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዅላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም።”—እብራውያን 5:8, 9

ካልእ ጥቕላላት ምኽፋት

13. እቶም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ተኣዛዝነቶም ብኸመይ ኢዮም ዘርእዩ: እንታይ ስርዓታትከ ኢዮም ክስዕቡ ዘለዎም፧

13 እዞም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ተኣዛዝነቶም ብኸመይ ኢዮም ዘርእዩ፧ የሱስ ባዕሉ ነተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ከምዚ ብምባል ኣመልከተ:- “እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፤ እስራኤል: ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና: ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልአይታ እትመስላ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: እያ።” (ማርቆስ 12:29-31) ንኸም ካብ ስርቂ: ሓሶት: ምቕታል: ከምኡውን ዘይስነ-ምግባራውነት ምርሓቕ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ስርዓታት የሆዋ እውን ክስዕብዎ ኣለዎም።—1 ጢሞቴዎስ 1:8-11ራእይ 21:8

14. እንታይ ካልእ ጥቕላላት ኢዩ ዝኽፈት: እንታይ ዝሓዘኸ ኢዩ፧

14 እንተዀነ ግን: ዮሃንስ ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ዝኽፈት ካልእ ጥቕላላት እውን ጠቒሱ ኣሎ። (ራእይ 20:12) እዚኣቶም እንታይ ኢዮም፧ ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ንገለ ኵነታት ዝኸውን ፍሉይ መምርሒታት ሂቡ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ግዜ ሙሴ: እስራኤላውያን እንተ ተኣዚዞሞም ንህይወት ክዀኑዎም ዝኽእሉ ዝነበሩ ዝርዝር ሕግታት ሂብዎም ነይሩ። (ዘዳግም 4:40፣ 32:45-47) ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ከኣ ነቶም እሙናት ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገባብ ስርዓታት የሆዋ ንምስዓብ ክሕግዝዎም: ሓደስቲ መምርሒታት ተዋህበ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ዮሃንስ 13:34፣ 15:9, 10) ሕጂ ዮሃንስ እቶም ዝሞቱ ‘ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ: ከከም ግብሮም ክፍረዱ’ ከም ዝዀኑ ጸብጻብ የቕርብ ኣሎ። እምብኣርከስ ምኽፋት ናይዚ ጥቕላላት እዚ የሆዋ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ካብ ደቅሰብ ዝደልዮ እንታይ ከም ዝዀነ ብዝርዝር ክነግር ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ነቲ ኣብዚ ጥቕላላት እዚ ዘሎ ስርዓታትን ትእዛዛትን ኣብ ህይወቶም ብምትግባር እዙዛት ሰባት መዓልትታቶም ከንዉሑን ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡን ኢዮም።

15. ኣብ ግዜ ትንሳኤ እንታይ ዓይነት ናይ ትምህርቲ ወፈራ ኢዩ ዘድሊ: እቲ ትንሳኤኸ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧

15 ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ ወፈራ ናይ ቲኦክራሲያዊ ትምህርቲ ኰን ኢዩ ዘድሊ! ኣብ 2005 ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ብገምጋም 6,061,534 ጽንዓታት ይመርሑ ነይሮም። ኣብ ግዜ ትንሳኤ ግን ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስን እቲ ሓድሽ ጥቕላላትን ዘይቍጸር ሚልዮናት ጽንዓታት ከም ዝምራሕ ኣየጠራጥርን ኢዩ! ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ መማህራን ክዀኑን ክጽዕሩን ከድልዮም ኢዩ። እቶም ዝተንስኡ እናማዕበሉ ክኸዱ ከለዉ ብዘይጥርጥር ኣብቲ ሰፊሕ ናይ ምምሃር ፕሮግራም ክካፈሉ ኢዮም። ትንሳኤ: እቶም ብህይወት ዘለዉ ነቶም ድሓር ንሳቶምውን ብግዲኦም ንኻልኦት ክቕበሉን ክምህሩን ዝኽእሉ ኣባላት ስድራቤቶምን ዝፈልጥዎም ዝነበሩን ክቕበሉ ኸለዉ: ባህ ኢልዎም ክገብርዎ ብዘኽእሎም መገዲ ከም ዝፍጸም ርዱእ ኢዩ። (ምስ 1 ቈረንቶስ 15:19-28, 58 ኣረኣእዮ።) እቶም ሎሚ ሓቂ ኣብ ምዝርጋሕ ንጡፋት ዘለዉ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ግዜ ትንሳኤ ክህልዎም ተስፋ ዝገብርዎ መሰል ጽቡቕ መሰረት ይስርቱ ኣለዉ።—ኢሳይያስ 50:4፣ 54:13

16. (ሀ) ኣብቲ ጥቕላል ወይ መጽሓፍ ህይወት ስም ናይ መን ኢዩ ዘይጽሓፍ፧ (ለ) እቶም ትንሳኤኦም ናብ “ህይወት” ዝኸውን መን ኢዮም፧

16 ንምድራዊ ትንሳኤ ብዝምልከት የሱስ “ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት: እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ተንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም” በለ። ኣብዚ ካብቲ ቅዱሳት ጽሑፋትን ካብቲ ጥቕላላትን ብድሕሪ ምምሃሮም “እኩይ ዝገበሩ” ንህይወት ዘይበቕዑ ከም ዝዀኑ ብምርኣይ: ን‘ህይወትን’ ‘ፍርድን’ ኢዩ ዘነጻጽር ዘሎ። ስሞም ኣብቲ ጥቕላል ወይ መጽሓፍ ህይወት ኣይክጽሓፍን ኢዩ። (ዮሃንስ 5:29) እዚ: ነቶም ኣቐዲሞም ብተኣማንነት ዝመላለሱ ዝነበሩ ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ግን ብገለ ምኽንያት ንድሕሪት ዝምለሱ እውን ዘጠቓለለ ኢዩ። ስም ክድምሰስ ይኽእል ኢዩ። (ዘጸኣት 32:32, 33) በቲ ሓደ ወገን ከኣ እቶም ነቲ ኣብቲ ጥቕላላት ተጻሒፉ ዘሎ ብተኣዛዝነት ዝስዕቡ: ስሞም ኣብቲ ጥቕላል ህይወት ተመዝጊቡ ክተርፍ ኢዩ: ምንባር ከኣ ክቕጽሉ ኢዮም። ንዕኦም እቲ ትንሳኤ ናብ “ህይወት” ክኸውን ኢዩ።

ናይ ሞትን ሲኦልን መወዳእታ

17. (ሀ) ዮሃንስ እንታይ ዘገርም ስጕምትታት ኢዩ ዝገልጽ፧ (ለ) ሲኦል ጥራዩ ዝኸውን መዓስ ኢዩ፧ (ሐ) ኣዳማዊ ሞት ‘ናብቲ ቐላይ ሓዊ ዝድርበ’ መዓስ ኢዩ፧

17 ቀጺሉ ዮሃንስ ብሓቂ ዘገርም ነገር ይገልጽ! “ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ: ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝዀነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ: ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።” (ራእይ 20:14, 15) ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሓዊ መዓልቲ ፍርዲ ‘ሞትን ሲኦልን’ ፈጺሞም ከልግሱ ኢዮም። እዚ: ሽሕ ዓመት ዘድልዮ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሲኦል: እቲ ተራ መቓብር ወድሰብ: እቲ ኣብ መዘከርታ ኣምላኽ ዘሎ ናይ መወዳእታ ሰብ ምስ ተንስአ ጥራዩ ክኸውን ኢዩ። ሰባት እቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ክሳዕ ዘሎ ግን ኣዳማዊ ሞት ገና ምስኦም ኢዩ ዝህሉ። ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝተንስኡን እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝድሕኑ ዓቢ ጭፍራን ሕማምን እርጋንን ካልእ ዝወረስዎ ጕድለታትን ንምልጋስ በጅነት የሱስ ምሉእ ብምሉእ ኣብኦም ክሳዕ ዝፍጸም ነቲ ኣብቲ ጥቕላላት ዘሎ ክእዘዙ ከድልዮም ኢዩ። ብድሕርዚ ኣዳማዊ ሞት ምስ ሲኦል ‘ናብቲ ቐላይ ሓዊ ክድርበ’ ኢዩ። ንዘለኣለም ከልግሱ ኢዮም!

18. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ዝገዝኣሉ ዓወት ብኸመይ ይገልጾ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብኣዊ ስድራቤት እንታይ ክገብሮ ኢዩ፧ (ሐ) ኣብ መወዳእታ ሽሕ ዓመት እንታይ ካልእ ነገራት ኢዩ ዝፍጸም፧

18 በዚ ኸምዚ: እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ቈረንቶስ ዝሰደዳ ደብዳበኡ ገሊጽዎ ዘሎ ፕሮግራም ኣብ መወዳእትኡ ክበጽሕ ኢዩ:- “ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብሮም: ኪነግስ ይግብኦ እዩ . . . እቲ ኣብ መወዳእታ ዚስዐር ጻላኢውን [አዳማዊ] ሞት እዩ።” ድሕርዚኸ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧ “ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና: ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን: ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ።” ብኻልእ ኣዘራርባ ‘እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ይውፊ።’ (1 ቈረንቶስ 15:24-28) እወ: የሱስ ብዋጋ ናይቲ በጅነታዊ ሞቱ ገይሩ ንኣዳማዊ ሓጢኣት ምስ ሰዓሮ: ፍጹም ዝዀነ ሰብኣዊ ስድራቤት ንኣቡኡ የሆዋ ከረክብ ኢዩ። ሰይጣን ዝፍታሕ ከምኡውን ስም ናይ መን ኣብቲ ጥቕላል ህይወት ንዅሉ ግዜ ከም ዝምዝገብ ንምውሳን እቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ዝኸውን: ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጽሑ: ኣብ መወዳእታ ሽሕ ዓመት ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ስምካ ኣብ መንጎ ናይ እዚኣቶም ምእንቲ ክኸውን ‘ተጋደል!’—ሉቃስ 13:24፣ ራእይ 20:5

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቶም ካብ ባሕሪ ዝትንስኡ: ነቶም ኣብ ግዜ ኖህ ብማይ ኣይሂ ዝጠፍኡ ብልሽዋት ተቐማጦ ምድሪ ኣየጠቓልሉን ኢዮም፣ እቲ ጥፍኣት እቲ ልክዕ ከምቲ ናይ ዓቢ ጸበባ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኢዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 25:41, 46፣ 2 ጴጥሮስ 3:5-7

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 298 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ነቲ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ዝኽፈት ጥቕላላት ዝእዘዙ ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ‘ሓጥኣን’ እውን ስሞም ኣብቲ ጥቕላል ህይወት ክጽሓፍ ይኽእል ኢዩ