ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንርእሲ እቲ ተመን ምጭፍላቕ

ንርእሲ እቲ ተመን ምጭፍላቕ

ምዕራፍ 40

ንርእሲ እቲ ተመን ምጭፍላቕ

ትርኢት 14​—ራእይ 20:1-10

ቀንዲ መልእኽቲ:- ናይ ሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ምድርባይ: ሽሓዊ ግዝኣት: ናይ ወድሰብ ናይ መወዳእታ ፈተና: ከምኡውን ናይ ሰይጣን ጥፍኣት

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ካብ መወዳእታ ናይቲ ዓቢ ጸበባ ክሳዕ ጥፍኣት ሰይጣን

1. ናይቲ መጀመርታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜ ብኸመይ ቐጸለ፧

 እቲ ናይ መጀመርታ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ትዝክሮዶ፧ እዚ ትንቢት እዚ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ተመን “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” ምስ በሎ እተገልጸ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15) ሕጂ ፍጻሜ ናይዚ ትንቢት እዚ ኣብ መወዳእትኡ በጺሑ ኣሎ! ሰይጣን ኣንጻር እታ ናይ የሆዋ ሰማያዊት ሰበይቲ መሰል ማሕበር ንምውጋእ ዝገበሮ ታሪኽ ብዝርዝር ርኢናዮ ኢና። (ራእይ 12:1, 9) እቲ ምድራዊ ዘርኢ ናይቲ ተመን ምስ ሃይማኖቱ: ፖለቲክኡ: ከምኡውን ዓቢ ንግዱ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ማለት የሱስ ክርስቶስን እቶም 144,000 ቅቡኣት ሰዓብቱን: ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ጭከና ዝመልኦ መስጐግቲ ኣውሪዱሎም ኢዩ። (ዮሃንስ 8:37, 44፣ ገላትያ 3:16, 29) ሰይጣን ንየሱስ ዘሳቒ ሞት ኣውሪዱሉ ኢዩ። እዚ ግን ናይ ሸዀና ምንካስ ጥራይ ምዃኑ ተረጋገጸ: ከመይሲ: ኣምላኽ ነቲ እሙን ወዱ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኣተንሲእዎ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:38-40

2. እቲ ተመን ብኸመይ እዩ ዝጭፍለቕ: ንምድራዊ ዘርኢ ሰይጣን እንታይ ኢዩ ዘጋጥሞ፧

2 ብዛዕባ እቲ ተመንን ዘርኡንከ እንታይ ኢዩ ዝበሃል፧ ኣብ 56 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ሓንቲ ነዋሕ ደብዳበ ጸሓፈሎም። ክድምድማ ኸሎ “ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ” ብምባል ኣጸናንዖም። (ሮሜ 16:20) እዚ ኣፍኲስካ ካብ ምጭፍላቕ ንላዕሊ ኢዩ። ሰይጣን ክሕምሸሽ ኣለዎ! ኣብዚ ጳውሎስ ነታ ሲን·ትሪʹቦ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ: እዚ ኸኣ መለግለግ ክሳዕ ዝብል ምጭፍላቕ: ምሕምታል: ብምሕምሻሽ ፈጺምካ ምጥፋእ ማለት ኢዩ። እዚ: ኣብቲ ሰብኣዊ ዘርኢ እቲ ተመን ናይ ሓቂ መዓት ብምምጻእ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ኢዩ ዝጅምር: ብምጥፋእ ናይ ዓባይ ባቢሎን ከምኡውን እቲ ፖለቲካዊ ኣገባብ ናይዛ ዓለም እዚኣ ምስቶም ፋይናንሳውን ወተሃደራውን ስዓብቱ ኣብቲ ዓቢ ጸበባ ክዛዘም ኢዩ። (ራእይ ምዕራፍ 18 ከምኡውን 19) በዚ ኸምዚ: የሆዋ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ዘርኢ ዝነበረ ጽልኢ ኣብ መፈጸምትኡ የብጽሖ። ዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ምድራዊ ዘርኢ እቲ ተመን ይዕወት: እቲ ዘርኢ እቲ ኸኣ ድሕሪ ደጊም ኣይክህሉን ኢዩ!

ሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ይእሰር

3. ሰይጣን እንታይ ከም ጠጋጥሞ ዮሃንስ እንታይ ኢሉ ይነግረና፧

3 እሞ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ድኣ እንታይ ኢዩ ተዓቚሩሎም ዘሎ፧ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል: ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን: ሐዞ: እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ: ሽሕ ዓመትውን አሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ: ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን: ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ።”—ራእይ 20:1-3

4. እቲ መርሖ መዓሙቝ ዘለዎ መልኣኽ መን ኢዩ: ብኸመይከ ንፈልጥ፧

4 እዚ መልኣኽ እዚ መን ኢዩ፧ ነቲ ቐንዲ ጸላኢ የሆዋ ዘጥፍእ ካብ ኰነ ብዓል ብርቱዕ ሓይሊ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡውን “መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን” ኣሎዎ። እዝስ ኣቐድም ኣቢልና ዝረአናዮ ትርኢት ኣየዘኻኽረናንዶ፧ እወ: እቲ ናይ ኣንበጣ ንጉስ: “መልኣኽ መዓሙቝ”! ኢዩ ዝበሃል። (ራእይ 9:11) ስለዚ ኣብዚውን እንደገና እቲ ቐንዲ ናይ የሆዋ ፈዳይ ሕነ: እቲ ግርማዊ የሱስ ስጕምቲ ክወስድ ከሎ ኢና እንዕዘብ። እዚ ንሰይጣን ካብ ሰማይ ዝደርበዮ: ንዓባይ ባቢሎን ዝፈረዳ: “ንነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን” ከኣ ኣብ ኣርማጌዶን ዘጥፍኦም ሊቀ መላእኽቲ: ነቲ ንሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ናይ ምእሳር ቀንዲ ስጕምቲ ካብኡ ዝትሕት መልኣኽ ክገብሮ ከም ዘየፍቅድ ርግጽ ኢዩ።—ራእይ 12:7-9፣ 18:1, 2፣ 19:11-21

5. እቲ መልኣኽ መዓሙቝ ንሰይጣን ብኸመይ ክሕዞ ኢዩ: ስለምንታይከ፧

5 እቲ ዓቢ ቐይሕ ገበል ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኢዩ። (ራእይ 12:3, 9) ሕጂውን ኣብቲ ተታሒዙ ኣብ መዓሙቝ ዝድርበየሉ ግዜ እንደገና በቲ ‘ገበል: ናይ ጥንቲ ተመን: ድያብሎስን ሰይጣንን’ ዝብል ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። እዚ ነውራም ወሓጢ: መታለሊ: መካፍኢ: ከምኡውን ተጻራሪ “ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም” ክእሰር ከምኡውን ናብ እተዓጽወን ኣጸቢቑ እተሓትመን “መዓሙቝ” ክድርበ ኢዩ። እዚ ናይ ሰይጣን ምእሳር ንሽሕ ዓመት ኢዩ ዝኸውን: ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ጽልውኡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ እሱር ዋላ ሓንቲ ኣይፍለን ኢዩ። እቲ መልኣኽ መዓሙቝ: ምስታ ጽድቃዊት መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ርክብ ምእንቲ ከይህልዎ ኢሉ ንሰይጣን ፈጺሙ ከልግሶ ኢዩ። እዝስ ንደቅሰብ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ!

6. (ሀ) ኣጋንንቲ እውን ናብ መዓሙቝ ከም ዝኸዱ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ኢዩ ክጅምር ዝኽእል: ስለምንታይከ፧

6 ኣጋንንቲኸ እንታይ ክዀኑ ኢዮም፧ ንሳቶምውን ‘ንፍርዲ ይሕለዉ’ ኢዮም ነይሮም። (2 ጴጥሮስ 2:4) ሰይጣን ‘ብኤል-ዜቡል ሓለቓ ኣጋንንቲ’ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። (ሉቃስ 11:15, 18፣ ማቴዎስ 10:25) ነቲ ምስ ሰይጣን ዝነበሮም ናይ ነዊሕ ግዜ ምትሕብባር ብምርኣይ: ከምቲ ናቱ ዝኣመሰለ ፍርዲ ክበጽሖም ኣይግባእንዶ፧ ኣጋንንቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ንመዓሙቝ ይፈርህዎ ነይሮም ኢዮም፣ ሓደ ግዜ የሱስ ምስ ተጓነፎም ‘ናብ መዓሙቝ ኪኸዱ ኸይእዝዞም ለመንዎ።’ (ሉቃስ 8:31) ሰይጣን ናብ መዓሙቝ ምስ ተደርበየ ግን መላእኽቱ ብርግጽ ምስኡ ናብ መዓሙቝ ክድርበዩ ኢዮም። (ምስ ኢሳይያስ 24:21, 22) ብድሕሪ ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ምእሳር: እቲ ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ክጅምር ይኽእል ኢዩ።

7. (ሀ) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብቲ መዓሙቝ ኣብ ዝጸንሕሉ ግዜ ኵነታቶም ከመይ ኢዩ ክኸውን: ብኸመይከ ንፈልጥ፧ (ለ) ሃደስን መዓሙቝን ሓደ ድዩ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

7 ሰይጣንን አጋንንቱን ኣብ መዓሙቝ ኣብ ዝጸንሕሉ ግዜ ዝገብርዎ ንጥፈት ክህሉ ድዩ፧ እቲ ሸውዓተ ርእሲ ዘለዎ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ‘ነበረ የሎን ከኣ: ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ እዩ’ ተባሂሉሉ ከም ዝነበረ ዘክር ኢኻ። (ራእይ 17:8) ኣብቲ መዓሙቝ ከሎ ‘የሎን’ ተባሂሉ ኢዩ። ዘይዓዪ: ዘይንቀሳቐስ: ንዅሉ ሃቐናታትን ዕላማታትን ምዉት ኢዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ክዛረብ ከሎ “ናብ መዓሙቝሲ መን ኪወርድ እዩ፧—እዚ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኬውጽኦ” በለ። (ሮሜ 10:7) የሱስ ኣብቲ መዓሙቝ ከሎ ምዉት ኢዩ ነይሩ። a እምበኣርከስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ማእሰርቶም ኵነታቶም ልክዕ ከምቲ ንጥፈት ዘይብሉ ሞት ኢዩ ዝኸውን ኢልና ክንድምድም ምኽንያታዊ ኢዩ። እዝስ ነቶም ኣፍቀርቲ ጽድቂ ከመይ ዝበለ ሰናይ ብስራት ኰን ኢዩ!

ናይ ሽሕ ዓመት ፈራዶ

8, 9. ሕጂ ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዝፋን እተቐመጡ እንታይ ይነግረና: እዚኣቶምከ መን ኢዮም፧

8 ድሕሪ እቲ ሽሕ ዓመት ሰይጣን ንቝሩብ እዋን ካብ መዓሙቝ ክፍታሕ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ዮሃንስ መልሲ ቅድሚ ምሃቡ ኣብ መጀመርታ ናይቲ መዋእል እቲ ከም እነተኵር ይገብረና። ከምዚ ዝብል ድማ ነንብብ:- “ዝፋናት ድማ ርኤኹ: ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ: [“ስልጣን:” NW] ፍርዲውን ተዋህቦም።” (ራእይ 20:4ሀ ) እዞም ኣብ ዝፋናት እተቐመጡን ምስቲ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ኰይኖም ድማ ኣብ ሰማያት ዝነግሱን መን ኢዮም፧

9 እዚኣቶም እቶም ዳንኤል ምስቲ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ኣብታ መንግስቲ ዝገዝኡ ኢሉ ገሊጽዎም ዘሎ “ቅዱሳን” ኢዮም። (ዳንኤል 7:13, 14, 18) ምስቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋ: ኣብ ሰማያዊ ዝፋናት ዝቕመጡ 24 ሽማግለታት ሓደ ኢዮም። (ራእይ 4:4) ኣብ መንጎ እዚኣቶም ድማ እቶም የሱስ “ንስኻትኩም ዝሰዐብኩምኒ: ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ: ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ኢሉ እተመባጽዓሎም 12 ሃዋርያት ዘጠቓልሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 19:28) ንጳውሎስን ነቶም እሙናት ኰይኖም ዝቐጸሉ ናይ ቈረንቶስ ክርስትያናትን እውን የጠቓልሉ። (1 ቈረንቶስ 4:8፣ 6:2, 3) ነቶም ዝሰዓሩ ኣባላት ጉባኤ ሎዲቅያውን የጠቓልሉ ኢዮም።—ራእይ 3:21

10. (ሀ) ዮሃንስ ነቶም 144,000 ነገስታት ብኸመይ ይገልጾም፧ (ለ) ካብቲ ዮሃንስ ኣቐዲሙ ዝነገረና: እቶም 144,000 ነገስታት ንመን ዘጠቓለሉ ኢዮም፧

10 ነዞም “ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ: ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ” ቅቡኣት ሰዓርቲ: 144,000 ዝፋናት ተዳልዮምሎም ኣለዉ። (ራእይ 14:1, 4) ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ [“ብፋስ እተቐትሉ:” NW]: ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ: ማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።” (ራእይ 20:4ለ ) ኣብ መንጎ እዞም ነገስታት እዚኣቶም እምበኣር እቶም ኣቐድም ኣቢሎም እቲ ሓምሻይ ማሕተም ክፍታሕ ከሎ ንየሆዋ ሕነ ደሞም ከይፈደየ ክሳዕ መዓስ ከም ዝጸንሕ ዝሓተትዎ ቅቡኣት ክርስትያን ሰማእታት ይርከቡ። ኣብቲ ግዜቲ ጻዕዳ ኽዳን ተዋሂብዎምሲ ቅሩብ ግዜ ክጸንሑ ተነጊሮም ነይሮም። ሕጂ ግን ብዕንወት ናይ ዓባይ ባቢሎን: እቲ ንጉሰ ነገስታትን ጐይታ ጐይተትን ንህዝብታት ብምጥፍኡ: ከምኡውን ሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ብምእታዉ ሕነ ተፈድይሎም ኢዩ።—ራእይ 6:9-11፣ 17:16፣ 19:15, 16

11. (ሀ) ነቲ “ብፋስ እተቐትሉ” ዝብል መግለጺ ብኸመይ ኢና ንርድኦ፧ (ለ) ኵሎም እቶም 144,000 መስዋእታዊ ሞት ሞይቶም ክብሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

11 እዞም 144,000 ንጉሳውያን ፈራዶስ ኵሎም ቃል ብቓሉ ድዮም “ብፋስ እተቐትሉ፧” ቃል ብቓሉ ብፋስ እተቐትሉ ሒደት ኢዮም። እንተዀነ ግን: እዚ ኣበሃህላ እዚ ንዅሎም እቶም ብዝዀነ ይኹን መገዲ ብሰማእትነት ዝሞቱ ቅቡኣት ክርስትያናት ዝሓቖፈ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። b (ማቴዎስ 10:22, 28) ብርግጽ ሰይጣን ንዅሎም ብፋስ ከቕትሎም ኣይምጸልአን: ብሰማእትነት ዝሞቱ ግን ኵሎም ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ ኣይኰኑን። ብዙሓት ካብኣቶም ብሕማም ወይ ብእርጋን ሞይቶም ኢዮም። ይኹን እምበር: ከምዚኣቶም ዝበሉውን ኣብቶም ሕጂ ዮሃንስ ዝርእዮም ጉጅለ እቱዋት ኢዮም። ናይ ኵላቶም ሞት ብገለ መገዲ መስዋእታዊ ኢዩ። (ሮሜ 6:3-5) ብተወሳኺ: ዋላ ሓደ ካብኣቶም ካብ ዓለም ኣይነበረን። ስለዚ ኵላቶም ብዓለም ተጸሊኦም ኢዮም: ስለዚ ኸኣ ብኣረኣእያኣ ምዉታት ኢዮም። (ዮሃንስ 15:19፣ 1 ቈረንቶስ 4:13) ዋላ ሓደ ካብኣቶም ነቲ ኣራዊት ወይ ነቲ ምስሉ ዝሰገደ የለን: ምስ ሞቱ ኸኣ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ኣይነበሮን። ኵላቶም ከም ሰዓርቲ ኰይኖም ኢዮም ሞይቶም።—1 ዮሃንስ 5:4፣ ራእይ 2:7፣ 3:12፣ 12:11

12. ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም 144,000 ነገስታት እንታይ ጸብጻብ ኢዩ ዘቕርብ: ህይወት ዝረኽቡኸ መዓስ ኢዮም፧

12 ሕጂ ግን እዞም ሰዓርቲ እዚኣቶም እንደገና ህያዋን ኰይኖም ኣለዉ! ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ የቕርብ:- “እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።” (ራእይ 20:4ሐ) እዚ ማለትሲ እዞም ፈራዶ እዚኣቶም ክሳዕ ድሕሪ ጥፍኣት ኣህዛብን ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ መዓሙቝ ምድርባይን ካብ ምዉታት ከይተንስኡ ክጸንሑ ኢዮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን: መብዛሕትኦም ድሮ ህያዋን ኰይኖም ኣለዉ: ከመይሲ ኣብ ኣርማጌዶን ምስ የሱስ ኰይኖም ኣንጻር ኣህዛብ ክዋግኡ ኢዮም። (ራእይ 2:26, 27፣ 19:14) ብሓቂ እኳ ደኣ: ጳውሎስ ትንሳኤኦም ብኡብኡ ብድሕሪ ምጅማር ናይቲ ብ1914 ዝዀነ ህላወ የሱስ ከም ዝፍለምን ገሊኦም ቅድሚ ኻልኦት ከም ዝትንስኡን ገሊጽዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 15:51-54፣ 1 ተሰሎንቄ 4:15-17) ስለዚ ውህበት ዘይትመውት ህይወት ኣብ ሰማይ በብውልቆም ክረኽቡ ከለዉ: ኣብ ውሽጢ ገለ ንውሓት ግዜ ኢዮም ህያዋን ዝዀኑ።—2 ተሰሎንቄ 1:7፣ 2 ጴጥሮስ 3:11-14

13. (ሀ) እቶም 144,000 ዝገዝእሉ ሽሕ ዓመት ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዝግብኣና: ስለምንታይከ፧ (ለ) ፓፕያስ ናይ ሂራፖሊስ ነቲ ሽሕ ዓመት ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

13 ምግዝኦምን ምፍራዶምን ንሽሕ ዓመታት ክኸውን ኢዩ። እዝስ ቃል ብቓሉ ሽሕ ዓመታት ድዩ ወይስ ናይ ዘይተወሰነ ነዊሕ እዋን ምሳሌ ገይርና ኢና ክንርእዮ ዝግባእ፧ ‘ሽሕ’ ዝብል ቃል ከምቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 21:11 ዘሎ ኣዝዩ ብዙሕ: ዘይተወሰነ ቍጽሪ ከመልክት ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ግን እቲ “ሽሕ” ዝብል ቃል ብቓሉ ኢዩ: ምኽንያቱ ኣብ ራእይ 20:5-7 “ሽሕ ዓመት” ብዝብል ሰለስተ ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ። ጳውሎስ ‘ኣምላኽ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ’ ክብል ከሎ: ነዚ ናይ ፍርዲ እዋን እዚ “መዓልቲ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:31) ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሽሕ ዓመት ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና ስለ ዝነግረና እዛ መዓልቲ ፍርዲ ቃል ብቓሉ ሽሕ ዓመት ክትከውን ግቡእ ኢዩ። c2 ጴጥሮስ 3:8

እቶም ዝተረፉ ምዉታት

14. (ሀ) ዮሃንስ ብዛዕባ “እቶም ዝተረፉ ምዉታት” እንታይ ሓሳብ ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ መግለጺታት ነቲ “ህይወት ኣይረኸቡን” ዝብል ኣዘራርባ ብኸመይ የብርሆ፧

14 ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብዚ ኣእትይዎ ዘሎ ሓሳብ “እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን” እንተደኣ ዀይኖም: እዞም ነገስታት እዚኣቶም ደኣ ንመን ኢዮም ክፈርዱ፧ (ራእይ 20:5ሀ ) ሕጂውን እቲ “ህይወት” ዝብል መግለጺ ብመሰረት እቲ ኣብ ዙርይኡ ዘሎ ሓሳብ ክንርድኦ ይግባእ። እዚ መግለጺ እዚ ኣብ እተፈላለ ኵነታት እተፈላለየ ትርጕማት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ብጾቱ ቅቡኣት ክርስትያናት “ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም: ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም” በለ። (ኤፌሶን 2:1) እወ: ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ከይተረፈ ብመሰረት እቲ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ዝነበሮም እምነት ጻድቃን ተባሂሎም “ህያዋን” ኰይኖም ኢዮም።—ሮሜ 3:23, 24

15. (ሀ) እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ መሰኻኽር የሆዋ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንታይ ኣቃውማ ኢዮም ዘስተማቕሩ ዝነበሩ፧ (ለ) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ‘ህይወት ዝረኽቡ’ ብኸመይ ኢዮም: ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ ዝወርስዋኸ መዓስ ኢዩ፧

15 ብተመሳሳሊ: ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ መሰኻኽር የሆዋ ብዛዕባ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ዕርክነት ጻድቃን ተባሂሎም ኢዮም፣ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ድማ ብስጋ እኳ ምዉታት እንተነበሩ “ህያዋን” ተባሂሉሎም ኢዩ። (ማቴዎስ 22:31, 32፣ ያእቆብ 2:21, 23) ይኹን እምበር: ንሳቶምን ኵሎም እቶም ዝትንስኡ ካልኦትን ከምኡውን እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝድሕኑ ዓቢ ጭፍራ ናይቶም እሙናት ካልኦት ኣባጊዕን ኣብታ ሓዳስ ዓለም ዝወልድዎም ቈልዑን ገና ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ክበጽሑ ኣለዎም። እዚ ብመሰረት እቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ: ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት መዓልቲ ፍርዲ ብክርስቶስን በቶም ብጾቱ ነገስታትን ካህናትን ክፍጸም ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ናይታ መዓልቲ “እቶም ዝተረፉ ምዉታት” ፍጹማት ሰባት ብምዃኖም ‘ህይወት ክረኽቡ’ ኢዮም። ክንርእዮ ከም ዘለና: ሽዑ ነቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ክሓልፉዎ ኣለዎም: ነቲ ፈተና እቲ ግን ከም ፍጹማት ሰባት ኰይኖም ኢዮም ክገጥምዎ። ነቲ ፈተና ምስ ሓለፍዎ: ኣምላኽ ንዘለኣለም ንምንባር ብቑዓትን ምሉእ ጽድቂ ዘለዎምን ክገብሮም ኢዩ። ነቲ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዝብል መብጽዓ ምሉእ ፍጻሜኡ ክምከርዎ ኢዮም። (መዝሙር 37:29) ነቶም እዙዛት ደቅሰብሲ ኣየ ከመይ ዝኣመሰለ ዘሐጕስ መጻኢ ኰን ኢዩ ተዓቚሩሎም ዘሎ!

እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ

16. ዮሃንስ ነቲ እቶም ምስ ክርስቶስ ነገስታትን ካህናትን ዝዀኑ ዝረኽብዎ ትንሳኤ ብኸመይ ይገልጾ: ስለምንታይከ፧

16 ናብቶም ‘ህያዋን ዝዀኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ዝነግሱ’ ምልስ ኢሉ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “እዚ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ።” (ራእይ 20:5ለ ) ቀዳማይ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ ብግዜ ዝመጸ “ቐዳማይ ትንሳኤ” ኢዩ: ከመይሲ እቶም ነዚ ዝረኸቡ “ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት” ኢዮም። (ራእይ 14:4) ብኣገዳስነት እውን ቀዳማይ ኢዩ: ከመይሲ እቶም ኣብኡ ዝካፈሉ ምስ የሱስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ሓቢሮም ነቶም ዝተረፉ ደቅሰብ ክገዝኡን ክፈርዱን ኢዮም። ብዓይነቱውን ቀዳማይ ኢዩ። ምስ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ሓዊስካ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይመውት ህይወት ከም ዝቕበሉ ተዘሪቡሎም ዘሎ ፍጡራት ንሳቶም ጥራይ ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 15:53፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:16

17. (ሀ) ዮሃንስ ነቲ እተባረኸ ተስፋ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብኸመይ ይገልጾ፧ (ለ) እቲ “ካልኣይ ሞት” እንታይ ኢዩ: ኣብቶም 144,000 ሰዓርቲ ‘ስልጣን ዘይብሉኸ’ ስለምንታይ ኢዩ፧

17 እዞም ቅቡኣት እዚኣቶምሲ ኣየ ከመይ ዝመሰለ እተባረኸ ተስፋ ኰን ኢዩ ዘለዎም! ከምቲ ዮሃንስ ዝኣወጆ:- “ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። . . . እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።” (ራእይ 20:6) ከምቲ የሱስ ነቶም ኣብ ሰሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት እተመባጽዖ: እዞም ኣብቲ “ቐዳማይ ትንሳኤ” ዝካፈሉ ሰዓርቲ እዚኣቶም በቲ ምጽናት: ብዘይ ተስፋ ትንሳኤ ምጥፋእ ዝብል ትርጕም ዘለዎ “ኻልኣይ ሞት” ኣይክጉድኡን ኢዮም። (ራእይ 2:11፣ 20:14) እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ስዓርቲ “ስልጣን የብሉን:” ከመይሲ ዘይብስብስን ዘይመውትን ባህሪ ክህልዎም ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:53

18. ዮሃንስ ብዛዕባ እዞም ሓደስቲ ገዛእቲ ምድሪ እንታይ ይብል: እንታይከ ኢዮም ዝገብሩ፧

18 ካብቶም ሰይጣን ስልጣን ሒዙ ከሎ ዝነብሩ ናይ ምድሪ ነገስታት ኣየ ክንደይ እተፈልዩ ኰን ኢዮም! እዞም ነገስታት እዚኣቶም እንተበዝሐ 50 ወይ 60 ዓመት ኢዮም ገዚኦም: ዝበዝሑ ግን ንሒደት ዓመታት ጥራይ ኢዮም። መብዛሕትኦም ንወድሰብ ገፊዖሞ ኢዮም። ዝዀነ ዀይኑ: ህዝብታት ኣብ ትሕቲ እዞም በብግዜኡ ዝለዋወጥ ፖሊሲታት ዘለዎም ወትሩ ዝለዋወጡ ገዛእቲ ብኸመይ ንሓዋሩ ክጥቀሙ ይኽእሉ፧ ምስ እዚ ብምንጽጻር ዮሃንስ ብዛዕባ እዞም ሓደስቲ ገዛእቲ ምድሪ “ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ: ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም” ይብለና። (ራእይ 20:6) ምስ የሱስ ኰይኖም ነታ ንበይና ንሽሕ ዓመት እትገዝእ መንግስቲ ከቝሙ ኢዮም። እቲ ናይ ክህነት ኣገልግሎቶም ዋጋ ናይቲ ፍጹም ሰብኣዊ መስዋእቲ የሱስ ብምጥቃም: ንእዙዛት ሰባት ናብ መንፈሳዊ: ስነ-ምግባራዊ: ከምኡውን ኣካላዊ ፍጽምና ከብጽሖም ኢዩ። እቲ ንጉሳዊ ኣገልግሎቶም: ናይ የሆዋ ጽድቅን ቅድስናን ዘንጸባርቕ ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብ ከም ዝህነጽ ክገብር ኢዩ። ከም ናይ ሽሕ ዓመት ፈራዶ መጠን: ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ነቶም ዝቕበሉ ሰባት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሸቶ ክበጽሑ ብፍቕሪ ክመርሕዎም ኢዮም።—ዮሃንስ 3:16

እታ ናይ መወዳእታ ፈተና

19. ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት: ኵነታት ምድርን ደቅሰብን እንታይ ክኸውን ኢዩ: ብድሕርዚኸ የሱስ እንታይ ይገብር፧

19 ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት: ምድሪ ብምልእታ ነታ ናይ መጀመርታ ገነት ክትመስል ኢያ። ናይ ሓቂ ገነት ክትከውን ኢያ። ፍጹማት ደቅሰብ ምስ ኣምላኽ ዘማልዶም ሊቀ ኻህናት ኣይከድልዮምን ኢዩ: ምኽንያቱ ኵሉ ኣሰር ናይ ኣዳማዊ ሓጢኣት ክጽረግ: ከምኡውን እቲ ናይ መጨረሽታ ጸላኢ ሞት ክጠፍእ ኢዩ። መንግስቲ ክርስቶስ ነቲ ኣምላኽ ብሓንቲ መንግስቲ እትመሓደር ሓንቲ ዓለም ንምፍጣር ዝነበሮ ዕላማ ክትፍጽም ኢያ። ኣብዚ ደረጃ እዚ: የሱስ ‘እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ክውፍያ ኢዩ።’—1 ቈረንቶስ 15:22-26፣ ሮሜ 15:12

20. ግዜ ናይ መወዳእታ ፈተና ምስ በጽሐ ዮሃንስ እንታይ ከም ዝኸውን ኢዩ ዝነግረና፧

20 ሕጂ እምበኣር ግዜ ናይ መወዳእታ ፈተና ይበጽሕ። እዛ ፍጽምቲ ዝዀነት ናይ ወድሰብ ዓለም ምስቶም ኣብ ኤደን ዝነበሩ ቀዳሞት ሰባት ክትነጻጸር ከላ: ኣብ ንጽህንኣ ጸኒዓ ትቐውምዶ ትኸውን፧ ዮሃንስ እንታይ ከም ዝኸውን ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ: ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ: እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ: ንጎግን ማጎግን ኬስሕቶም: ንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦም: ኪወጽእ እዩ: ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ: ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኸተማን ድማ ከበቡ።”—ራእይ 20:7-9ሀ

21. ሰይጣን ንናይ መወዳእታ ጻዕሩ ብኸመይ ክገብሮ ኢዩ: ብድሕሪ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት እውን ከይተረፈ: ገለ ንሰይጣን ብምስዓቦም ክንግረም ዘይግብኣናኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

21 ናይ ሰይጣን ናይ መወዳእታ ጻዕሪ ብኸመይ ክውዳእ ኢዩ፧ “ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ: ንጎግን ማጎግን ኬስሕቶም” ናብ ‘ውግእ’ ከኣ ክመርሖም ኢዩ። ብድሕሪ ናይ ሽሕ ዓመታት ሓጐስ ዝመልኦን ሃናጽን ቲኦክራሲያዊ ግዝኣት: ብወገን ሰይጣን መን ክስለፍ ይኽእል፧ ሰይጣን ነቶም ፍጹማት ዝነበሩ ኣዳምን ሄዋንን: ኣብ ገነት ኤደን ተሓጒሶም እናነበሩ ኸለዉ ከስሕቶም ከም ዝኸኣለ ኣይትረስዕ። ከምኡውን ነቶም ናይ መጀመርታ ዕልወት ዘምጽኦ ሕማቕ ፍረ ተዓዚቦም ዝነበሩ መላእኽቲ እውን ኣስሒቱ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:4፣ ይሁዳ 6) ስለዚ ድሕሪ እቲ ባህ ዘብል ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ: ገለ ፍጹማት ሰባት ንሰይጣን ክስዕቡ ብምትላሎም ክንግረም ኣይግብኣናን ኢዩ።

22. (ሀ) “ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ” ዝብል መግለጺ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) እቶም ዓለወኛታት ‘ጎግን ማጎግን’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ስለምንታይ ኢዮም፧

22 መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ዓለወኛታት እዚኣቶም “ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ” ኢሉ ኢዩ ዝጽውዖም። እዚ ግን ወድሰብ እንደገና ብብሄር ኣብ ንሓድሕዱ ክፈላለ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: እዚኣቶም ከምቲ ሎሚ ኣህዛብ ዘርእይዎ ዘለዉ ሕማቕ መንፈስ ብምንጽብራቕ: ካብቶም ናይ የሆዋ ጻድቃንን እሙናትን ሰባት: ርእሶም ክፈልዩ ምዃኖም ዘመልክት ኢዩ። ከምቲ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል ተጠቒሱ ዘሎ ጎግ ናይ ማጎግ: እዚኣቶምውን ነታ ናይ ምድሪ ቲኦክራሲያዊት መንግስቲ ንምጥፋእ ‘እኩይ እማመ ክእምሙ’ ኢዮም። (ህዝቅኤል 38:3, 10-12) ስለዚ ኢዮም ‘ጎግን ማጎግን’ ተባሂሎም ዘለዉ።

23. ቍጽሪ ናይቶም ዓለወኛታት “ከም ሑጻ ባሕሪ” ምዃኑ እንታይ የመልክት፧

23 ቍጽሪ ናይቶም ንሰይጣን ኣብቲ ዕልወት ዝጽንበርዎ ሰባት “ከም ሑጻ ባሕሪ” ኢዩ። እዚኸ ክንደይ ማለት ኢዩ፧ ኣቐዲሙ እተመደበ ቝጽሪ የለን። (ምስ እያሱ 11:4፣ መሳፍንቲ 7:12 ኣረኣእዮ።) እቲ ናይ መወዳእታ ብዝሒ ዓለወኛታት: ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ነቲ ናይ ሰይጣን መታለሊ ጕርሒ ብዝህቦ ምላሽ ኢዩ ዝውሰን። ብዘይጥርጥር ግን ብርክት ዝበለ ቝጽሪ ክህሉ ኢዩ: ምኽንያቱ “ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኸተማን” ንኽኸቡ እኹል ሓይሊ ዘለዎም ኰይኑ ክስምዖም ኢዩ።

24. (ሀ) እታ ‘ፍቅርቲ ኸተማ’ እንታይ ኢያ: እትኽበብከ ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ‘ሰፈር እቶም ቅዱሳት’ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

24 እዛ ‘ፍቅርቲ ኸተማ:’ እታ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ንስዓብቱ ክዛረብ ከሎ ኣብ ራእይ 3:12 ዝጠቐሳ እሞ ‘ኸተማ ኣምላኸይ: እታ ካብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም’ ኢሉ ዝጸውዓ ከተማ ክትከውን ኣለዋ። እዚኣ ሰማያዊት ማሕበር ካብ እትኸውን እዞም ምድራውያን ሓይልታት ከመይ ገይሮም ‘ክኸብዋ’ ይኽእሉ፧ ‘ንሰፈር እቶም ቅዱሳት’ ኢዮም ዝኸቡ። ሰፈር ካብ ከተማ ወጻኢ ኢዩ ዝርከብ፣ ስለዚ ‘ሰፈር እቶም ቅዱሳት:’ ነቶም ኣብ ምድሪ ካብቲ ሰማያዊ ቦታ ናይታ ሓዳስ የሩሳሌም ወጻኢ ዘለዉ እሞ: ነቲ ናይ የሆዋ መንግስታዊ ምድላው ብተኣማንነት ዝድግፉ ከመልክት ኣለዎ። እቶም ብሰይጣን ዝምርሑ ዓለወኛታት ነዞም እሙናት እዚኣቶም ከጥቅዕዎም ከለዉ: ጐይታ የሱስ ኣብ ልዕሊኡ ከም እተፈጸመ ክቘጽሮ ኢዩ። (ማቴዎስ 25:40, 45) እቶም “ኣህዛብ” እቲኣቶም: ነቲ እታ ሰማያዊት ሓዳስ የሩሳሌም ምድሪ ኣብ ገነት ንምልዋጥ ዝፈጸመቶ ኵሉ ግብርታት ጸራሪጎም ከጥፍእዎ ክህቅኑ ኢዮም። ስለዚ “ንሰፈር እቶም ቅዱሳት” ብምጥቅዖም ‘ነታ ፍቅርቲ ኸተማ’ እውን የጥቅዕዋ ኣለዉ ማለት ኢዩ።

ቀላይ ሓውን ዲንን

25. ዮሃንስ ውጽኢት ናይቶም ‘ንሰፈር እቶም ቅዱሳት’ ዘጥቅዑ ብኸመይ ይገልጾ: እዚኸ ንሰይጣን እንታይ ማለት ኢዩ፧

25 እዚ ናይ ሰይጣን ናይ መወዳእታ ጻዕሪ ክዕወት ድዩ፧ ከምቲ ኣብዚ ግዜና ጎግ ናይ ማጎግ ኣብ ልዕሊ ናይ መንፈስ እስራኤል ዘውርዶ መጥቓዕቲ ዘይዕወት: እቲውን ብርግጽ ኣይዕወትን ኢዩ! (ህዝቅኤል 38:18-23) ዮሃንስ ነቲ ውጽኢት ከምዚ ብምባል ኣብሪሁ ይገልጾ:- “ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። እቲ ዘስሕቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ።” (ራእይ 20:9ለ-10ሀ ) ኣብዚ ደረጃ እዚ ሰይጣን እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ኣብ መዓሙቝ ተኣሲሩ ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝተርፍ: ካብ ህላወ ክጭፍለቕ: ክጠፍእ: ከም ብሓዊ ፈጺሙ ክጸንት ኢዩ።

26. እቲ “ቐላይ ሓውን ዲንን” ቃል ብቓሉ ናይ መሳቐዪ ቦታ ክኸውን ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧

26 እቲ “ቐላይ ሓውን ዲንን” ቃል ብቓሉ መሳቐዪ ቦታ ከም ዘይኰነ ድሮ ርኢናዮ ኢና። (ራእይ 19:20) ሰይጣን ኣብኡ ዘስካሕክሕ ስቓይ ንዘለኣለም ከሕልፍ እንተድኣ ዀይኑ: የሆዋ ብህይወት ከንብሮ ኣለዎ ማለት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ህይወት ውህበት ድኣምበር መቕጻዕቲ ኣይኰነን። ናይ ሓጢኣት መቕጻዕቲ ሞት ኢዩ: ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ዝሞቱ ፍጡራት ስቓይ ኣይስምዖምን ኢዩ። (ሮሜ 6:23፣ መክብብ 9:5, 10) ብተወሳኺ: ጸኒሕና ሞትን ሃደስን ወይ ከኣ ሲኦልን ኣብቲ ቐላይ ሓዊ ከም ዝድርበዩ ከነንብብ ኢና። ሞትን ሃደስን ስቓይ ከም ዘይስምዖም እተረጋገጸ ኢዩ!—ራእይ 20:14

27. እቲ ኣብ ሶዶምን ጎሞራን እተፈጸመ ነቲ ቐላይ ሓውን ዲንን ዝብል ንኽንርድኦ ብኸመይ ይሕግዘና፧

27 እዚ ዅሉ: ነቲ ቐላይ ሓውን ዲንን ምሳልያዊ ኢዩ ዝብል ኣዘራርባ ዝድግፍ ኢዩ። ብተወሳኺ: ሓውን ዲንን ምጥቃሱ ነተን ብምኽንያት ረሲእነተን ብኣምላኽ ዝጠፍኣ ናይ ጥንቲ ሶዶምን ጎሞራን የዘኻኽረና። ግዜኡ ምስ በጽሐ “እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ኣብ ልዕሊ ጎሞራን ካብ እግዚኣብሄር ዲንን ሓውን ኣዝነመ።” (ዘፍጥረት 19:24) እቲ ኣብ ልዕሊ እዘን ክልተ ከተማታት ዝወረደ መቕጻዕቲ “ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ተባሂሉ ኣሎ። (ይሁዳ 7) እንተዀነ ግን: እዘን ከተማታት እዚኣተን ዘለኣለማዊ ስቓይ ኣየሕለፋን። ኣብ ክንድኡስ ምስቶም ሕሱራት ተቐማጦአን ተሓግሒገንን ተደምሲሰንን ኢየን። ሎሚ እተን ከተማታት እቲኣተን የለዋን: ከምኡውን ኣበየናይ ቦታ ከም ዝነበራ ኣርጊጹ ክፈልጥ ዝኽእል ሰብ የሎን።

28. ቀላይ ሓውን ዲንን እንታይ ኢዩ: ከም ሞትን ሃደስን መዓሙቝን ዘይኰነኸ ብኸመይ ኢዩ፧

28 ምስ እዚ ብምስምማዕ: መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ትርጕም ናይ ቀላይ ሓውን ዲንን ክገልጽ ከሎ: “እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ: ማለት ቀላይ ሓዊ” ይብል። (ራእይ 20:14) እዚ ምስቲ የሱስ እተዛረበሉ ገሃነም: እኩያት ንዘለኣለም ዝሳቐይሉ ዘይኰነስ ዝጠፍእሉ ቦታ: ሓደ ከም ዝዀነ ብሩህ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:28) ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ፍጹም ጥፍኣት ኢዩ። በዚ ኸኣ ኢዩ ሃደስ ወይ ሲኦል ከምኡውን መዓሙቝ: መርሖ ከም ዘለዎም ክጥቀስ ከሎ: ነቲ ቐላይ ሓዊ ዝኸፍት መርሖ ከም ዘሎ ግን ኣይተጠቕሰን። (ራእይ 1:18፣ 20:1) ነቶም ዝሓዞም ፈጺሙ ኣይፍንዎምን ኢዩ።—ምስ ማርቆስ 9:43-47 ኣረኣእዮ።

ንዘለኣለመ ኣለም ለይትን መዓልትን ይሳቐዩ

29, 30. ዮሃንስ ብዛዕባ ድያብሎስ ከምኡውን እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እንታይ ይብል: ነዚኸ ብኸመይ ኢና ክንርድኦ ዘሎና፧

29 ዮሃንስ ብዛዕባ ድያብሎስ ከምኡውን እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም።” (ራእይ 20:10ለ ) እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣቐዲሙ ከም እተጠቕሰ: ከም ኣራዊትን ነብዪ ሓሶትን ከምኡውን ሞትን ሃደስን ዝኣመሰሉ ምሳልያውያን ነገራት ቃል ብቓሉ ክሳቐዩ ኢዮም ምባል ምኽንያታዊ ኣይኰነን። ስለዚ ሰይጣን ንዘለኣለም ክሳቐ ኢዩ ኢልና ክንኣምን ምኽንያት የብልናን። ፈጺሙ ክጸንት ኢዩ።

30 እታ ኣብዚ “ስቓይ” ተባሂላ ተጠቒሳ ዘላ ባ·ሳ·ኒʹዞ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: መሰረታዊ ትርጕማ “(ንማዕድን) ኣብ እምኒ ምፍታን” ኢዩ። ካልኣይ ትርጕማ ድማ “እናኣሳቐኻ ምሕታት” ኢዩ። (ዘ ኒው ተየርስ ግሪክ-ኢንግሊሽ ሌክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት ) ኣብዚ ሓሳብ እዚ እዛ ናይ ግሪኽ ቃል እዚኣ ምጥቃም: እቲ ንሰይጣን ዘጓነፎ ነገር ንዘለኣለም ብዛዕባ ቅንዕናን ጽድቅን ናይ ኣገዛዝኣ የሆዋ ከም እምኒ መፈተኒ ክጠቅም ከም ዝዀነ ንምምልካት ኢዩ። እቲ ብዛዕባ ናይ ግዝኣት ሉዓላውነት ክርክር: ሓንሳእን ንሓዋሩን ክድቅስ ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ናይ የሆዋ ሉዓላውነት ዝምልከት ብድሆ ተላዒሉ ጌጋ ምዃኑ ንምርግጋጽ ነዊሕ ግዜ ክወሃቦ ኣየድልን ኢዩ።—ምስ መዝሙር 92:1, 15 ኣረኣእዮ።

31. ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰይጣን ዝወርድ መቕጻዕቲ ንኽንርድኦ: እተን ክልተ ዝምድና ዘለወን “ስቓይ” ዝትርጕመን ናይ ግሪኽ ቃላት ብኸመይ ይሕግዛና፧

31 ብተወሳኺ እታ ምስ እዛ ቓል እዚኣ እትመሳሰል ባ·ሳ·ኒ·ስተስʹ: “መሳቐዪ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ክትከውን ከላ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ሓላው እሱራት” ከተመልክት ኢያ አትያ ዘላ። (ማቴዎስ 18:34 ኪንግደም ኢንተርሊንያር) ምስ እዚ ብምስምማዕ ሰይጣን ኣብቲ ቀላይ ሓዊ ንዘለኣለም ክእሰር ኢዩ፣ ፈጺሙ ኣይክፍታሕን ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ኣብቲ ዮሃንስ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ዝነበረ ናይ ግሪኽ ትርጕም ሰብዓ ሰገድ: እታ ምስዛ ቓል ዝምድና ዘለዋ ባʹሳ·ኖስ: ናብ ሞት ዘብጽሕ ውርደት ከተስምዕ ኢያ ትዝውተር ነይራ። (ህዝቅኤል 32:24, 30) እዚ: እቲ ኣብ ልዕሊ ሰይጣን ዝወርድ መቕጸዕቲ ኣብቲ ቐላይ ሓውን ዲንን ዘሕፍርን ዘለኣለማዊ ሞትን ከም ዝዀነ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ግብሩ ኸኣ ምስኡ ክመውት ኢዩ።—1 ዮሃንስ 3:8

32. ኣጋንንቲ እንታይ መቕጻዕቲ ኢዩ ክወርዶም: ብኸመይከ ንፈልጥ፧

32 ሕጂውን ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ኣጋንንቲ ኣይተጠቕሱን። ኣብ መወዳእታ ሽሕ ዓመት ምስ ሰይጣን ክፍትሑ እሞ ደሓር ከኣ ምስኡ ናይ ዘለኣለም መቕጻዕቲ ክወርዶም ድዩ፧ እቲ መርትዖታት እወ ኢዩ ዝብል። ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን: የሱስ እቶም ኣጣል “ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ከም ዝኸዱ ተዛሪቡ ኣሎ። (ማቴዎስ 25:41) እቲ “ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ዝብል መግለጺ ነቲ ሰይጣን ዝድርበየሉ ቀላይ ሓውን ዲንን ዘመልክት ክኸውን ኣለዎ። እቶም ናይ ድያብሎስ መላእኽቲ ምስኡ ካብ ሰማይ ተደርብዮም ኢዮም። ኣብቲ ምጅማር ሽሕ ዓመት ግዝኣት ምስኡ ናብ መዓሙቝ ከም ዝኸዱ ርዱእ ኢዩ። ምስ እዚ ብምስምማዕ እምበኣር: ምስኡ እውን ኣብ ቀላይ ሓውን ዲንን ክጠፍኡ ኢዮም።—ማቴዎስ 8:29

33. እንታይ ናይ ዘፍጥረት 3:15 ናይ መወዳእታ ዝርዝር ኢዩ ዝፍጸም: ሕጂኸ መንፈስ የሆዋ ንኣቓልቦ ዮሃንስ ናብ ኣየናይ ጉዳይ ከም ዘተኵር ኢዩ ዝገብሮ፧

33 በዚ መገዲ እዚ: እቲ ናይ መወዳእታ ዝርዝር ናይቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ፍጻሜ ክረክብ ኢዩ። ሰይጣን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ምስ ተደርበየ: ልክዕ ከምቲ ሓደ ርእሱ ብሸዀና ሓጺን ዝጥሓን ተመን ኰይኑ ክመውት ኢዩ። ንሱን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ክጠፍኡ ኢዮም። ብድሕርዚ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ስሞም ኣይተጠቕሰን። ነዚኣቶም ብትንቢታዊ መገዲ ምስ ኣጥፍኦም: መንፈስ የሆዋ ሕጂ ናብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ጉዳይ ማለት ናብቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም የተኵር፣ ደቅሰብ ካብቲ ሰማያዊ ግዝኣት ናይቲ “ንጉሰ ነገስትን” ናይቶም “ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን” እንታይ ክረኽቡ ኢዮም፧ (ራእይ 17:14) ነዚ ንምምላሽ: ዮሃንስ እንደገና ናብ ምጅማር ናይቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ይመልሰና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ካልኦት ጽሑፋት የሱስ ምስ ሞተ ኸሎ ኣብ ሃደስ ኢዩ ነይሩ ይብሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:31) ይኹን እምበር: ሃደስን መዓሙቝን ኵሉ ግዜ ሓደ ትርጕም ኢዩ ዘሎዎ ኢልና ክንድምድም ኣይግብኣናን ኢዩ። እቲ ኣራዊትን ሰይጣንን ናብ መዓሙቝ ክኸዱ ኸለዉ: ንሰባት ጥራይ ኢዩ ኣብቲ ክሳዕ መዓልቲ ትንሳኤ ብሞት ደቂሶም ዝጸንሑሉ ሃደስ ከም ዝኸዱ ዝንገረሎም።—እዮብ 14:13፣ ራእይ 20:13

b ኣብ ግዜ ዮሃንስ ሰይፊ ዝያዳ ዝዝውተር ዝነበረ እኳ እንተዀነ: ፋስ (ብግሪኽ ፔʹለ·ኩስ) ኣብ ሮሜ ልሙድ ናይ መቕተሊ መሳርሒ ከም ዝነበረ ይመስል። (ግብሪ ሃዋርያት 12:2) ስለዚ እታ ኣብዚ ውዒላ ዘላ ፔ·ፔ·ለ·ኪስ·መʹኖን (“ብፋስ እተቐትሉ”) ብሓጺሩ “ተቐቲሎም” ማለት ኢያ።

c እቲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ዝነብር ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ ዩሴብየስ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት: እቲ ገለ ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠቱ ካብ ተማሃሮ ናይቲ ንመጽሓፍ ራእይ ዝጸሓፈ ዮሃንስ ከም ዝረኸቦ ዝፍለጥ ዝነበረ ፓፕያስ ናይ ሂራፖሊስ: ቃል ብቓሉ ናይ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ይኣምን ነበረ (ዩሴብየስ ግን ነዚ ፈጺሙ ኣይተሰማምዓሉን)።—ናይ ቤተ-ክርስትያን ታሪኽ ዩሴብየስ III, 39

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 293 ዘሎ ስእሊ]

ምዉት ባሕሪ። ሶዶምን ጎሞራን ኣብዚ ቦታ እዚ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 294 ዘሎ ስእልታት]

“ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ”