ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስም የሱስ ኣጽኒዕካ ምሓዝ

ንስም የሱስ ኣጽኒዕካ ምሓዝ

ምዕራፍ 9

ንስም የሱስ ኣጽኒዕካ ምሓዝ

ጴርጋሞስ

1. ቀጺሉ ዝነበረ መልእኽቲ የሱስ እተቐበለት ጉባኤ መን ኢያ: እቶም ክርስትያናት እቲኦምከ ኣብ ከመይ ዝበለት ከተማ ኢዮም ዝነብሩ ዝነበሩ፧

 ካብ ስሚርና ንሰሜን ብገማግም ባሕሪ 80 ኪሎ ሜተር ኣቢልካ ምስ ተጓዓዝካ ብድሕሪኡ ኸኣ ብለሰ ፈለግ ካይኩስ ኣቢልካ ናብ ማእከል 24 ኪሎ ሜተር ምስ ከድካ ናብ ጥንታዊት ጴርጋሞስ: ሕጂ በርጋማ እትበሃል ትበጽሕ። እታ ከተማ በቲ ንዘዩስ ወይ ጁፒተር ዝቘመ ቤት መቕደሳ ውርይቲ ኢያ ነይራ። ኣብ 1800ታት ድማ ኰዓትቲ መሬት ንመሰውኢ ናይቲ ቤት መቕደስ ናብ ጀርመን ወሰድዎ: ክሳብ ሎሚ ኸኣ ኣብ በርሊን ኣብ ቤተ-መዘክር ጴርጋሞን ምስ ሓያለይ ምስልታትን ቅርጽታት ናይ ኣረማውያን ኣማልኽትን ክርአ ይከኣል ኢዩ። ነታ ኣብ መንጎ እዚ ዅሉ ጣኦታት እትርከብ ጉባኤሲ ጐይታ የሱስ እንታይ መልእኽቲ ኰን ክልእከላ ኢዩ፧

2. የሱስ መንነቱ ዝገለጸ ከመይ ገይሩ ኢዩ: ትርጕም ናይቲ ‘ኽልተ ዝኣፉ ሰይፊ’ ምሓዙኸ እንታይ ኢዩ፧

2 የሱስ ኣቐዲሙ መንነቱ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ናብ መልኣኽ ማሕበር [“ጉባኤ:” NW] ጴርጋሞስውን ጽሐፍ: እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሐዘ ኸምዚ ይብል አሎ።” (ራእይ 2:12) ኣብዚ የሱስ ነቲ ኣብ ራእይ 1:16 ብዛዕብኡ እተዋህበ መግለጺ ኢዩ ዝደገመ። ከም ፈራድን ፈጻም ፍርድን መጠን ድማ ነቶም ንደቀ መዛሙርቱ ዘሳጕጉ ከጥፍኦም ኢዩ። እዚ መረጋገጺ እዝስ ኣየ ክሰዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ብዛዕባ ፍርዲ ግን: ነቶም ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ኢና ዝብሉ እሞ: ጣኦት ዘምልኹ: ስነ-ምግባር ዝጐደሎም: ሓሰውቲ: ዘይእሙናት: ንስኡናትውን ዘይረድኡ የሆዋ በቲ “መልኣኽ ቃል ኪዳን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ገይሩ: “ቅልጡፍ ምስክር” ክዀኖም ከም ዝዀነ መጠንቀቕታ ክዋሃቦም ኣለዎ። (ሚልክያስ 3:1, 5፣ እብራውያን 13:1-3) እቲ ኣምላኽ ብየሱስ ገይሩ ዝህቦ ምኽርን ተግሳጽን ድማ ኣቓልቦ ክግበረሉ ይግባእ!

3. ኣብ ጴርጋሞስ እንታይ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኢዩ ዝነበረ: “ናይ ሰይጣን ዝፋን” ኣብኡ ነይሩ ክበሃል ዝኽእልከ ብኸመይ ኢዩ፧

3 ሕጂ የሱስ ነታ ጉባኤ ከምዚ ይብላ:- “ኣበይ ከም እትነብር: ማለት ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ አሎኹ።” (ራእይ 2:13ሀ) ብሓቂ እቶም ክርስትያናት እቲኣቶም ብሰይጣናዊ ኣምልኾ ኢዮም ተኸቢቦም ነይሮም። ብዘይካ እቲ ንዘዩስ ዝቘመ ቤት መቕደስ: ንኤስኩላጵዮ: ኣምላኽ ምሕዋይ: ዝቘመ ቦታ ኣምልኾውን ነበረ። ጴርጋሞስ ከም ሕምብርቲ ናይቲ ንሃጸይ ዘምልኽ ኣንቆራ መጠን እውን ፍልጥቲ ኢያ ነይራ። እታ “ሰይጣን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ እብራዊት ቃል “ተጻራሪ” ማለት ኢያ: እቲ ናቱ “ዝፋን” ድማ እቲ ንግዜኡ ብመለኮታዊ መገዲ ተፈቒዱሉ ዘሎ ዓለማዊ ግዝኣቱ ኢዩ ዘመልክት። (እዮብ 1:6 ኣብ እግረ-ጽሑፍ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ) እቲ ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበረ ምስፍሕፋሕ ናይ ኣምልኾ ጣኦት: “ዝፋን” ሰይጣን ኣብታ ከተማ ኣጸቢቑ ሰሪቱ ከም ዝነበረ የርኢ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ብሃገራዊ ኣምልኾ ገይሮም ንዕኡ ስለ ዘይሰገድሉስ ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ ኰን ተቖጢዑ ነይሩ ይኸውን!

4. (ሀ) የሱስ ነቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝነኣዶም፧ (ለ) እቲ ሮማዊ ልኡኽ ፕሌኒ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ክርስትያናት: ንሃጸይ ትራጃን እንታይ ኢሉ ጸሓፈሉ፧ (ሐ) ሓደጋ እኳ እንተ ነበሮ እቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ኣቃውማ ኢዮም ዝወሰዱ፧

4 እወ: “ናይ ሰይጣን ዝፋን” ብርግጽ ኣብ ከተማ ጴርጋሞስ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ቀጺሉ:- “ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ አሎኻ: ኣብቲ ሰይጣን ዚነብረሉ: ንኣንቲጳስ: ነቲ እሙን ምስክረይ: ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ንእምነተይ ኣይከሐድካያን።” (ራእይ 2:13ለ ) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ መንፈስካ ዘለዓዕል ኰን ኢዩ! ኣንቲጳስ ምስቲ ጋኔናዊ ተግባራትን ናይ ሮማዊ ሃጸይ ኣምልኾን ስለ ዘይተሰማምዐ ከም እተቐትለ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዮሃንስ ነዚ ትንቢት እዚ ድሕሪ ምቕባሉ ነዊሕ ከይጸንሐ: እቲ ትራጃን ሃጸይ ሮሜ ባዕሉ ዝለኣኾ ፕሌኒ እቲ መንእሰይ: ብዛዕባ ኣገባብ ኣቀጻጽዓ ናይቶም ክርስትያናት ተባሂሎም እተኸሱ: ናብ ትራጃን ብምጽሓፍ ገለጸ—እቲ ኣገባብ ከኣ ሃጸይ ዝድግፎ ነበረ። እቶም ክርስትያናት ምዃኖም ዝኸሓዱ ዘበሉ ኸኣ ይወጹ ነበሩ: ፕሌኒ ከም ዝበሎ “ነቲ ኣነ ዝብሎ እናደገሙ ናብ ኣማልኽቲ ተማህሊሎም: ናብቲ ናትካ [ናይ ትራጃን] ምስሊ ዕጣንን ወይንን ኣቕሪቦም . . . ብተወሳኺውን ንክርስቶስ ረጊሞም።” ክርስትያን ኰይኑ እተረኽበ ዘበለ ይቕተል ነበረ። ብኸምዚ ዝበለ ሓደጋታት እኳ ተኸቢቦም እንተ ነበሩ እቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት እምነቶም ኣይከሓዱን። ነቲ ከም ናይ የሆዋ ፈዳይ ሕነን እተመዘዘ ፈራድን ዝነበሮ ዓቢ ቦታ ምኽባር ቀጸሉ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ‘ንስም የሱስ ኣጽኒዖም ሓዙ።’ ብተኣማንነት: ከም መሰኻኽር ናይታ መንግስቲ ኣስኣሰር የሱስ ሰዓቡ።

5. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ንክርስትያናት ብርቱዕ ፈተና ዘምጽኣሎም ዘሎ: ዘመናዊ መልክዕ ናይቲ ቅድም ንሃጸይ ዘምልኽ ዝነበረ ኣንቆራ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ግምቢ ዘብዐኛ ንክርስትያናት እንታይ ሓገዝ ሃቦም፧

5 ሰይጣን ነዛ ዘላ እክይቲ ዓለም ይገዝኣ ከም ዘሎ: ይኹን እምበር የሱስ ንጹህንኡ ብምሕላው ኣብኡ ሓንቲ ከም ዘይብሉ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣርእዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:8-11፣ ዮሃንስ 14:30) ኣብዚ ግዜና ሓያላት መንግስታት ብፍላይ “ንጉስ ሰሜን” ከምኡውን “ንጉስ ደቡብ” ዓለም ንኽመልኩ ተቓሊሶም ኢዮም። (ዳንኤል 11:40) ሎሚ ስምዒት ሓርበኝነት በርቲዑ ኢዩ: ዘመናዊ መልክዕ ናይቲ ቅድም ንሃጸይ ዘመልኽ ዝነበረ ኣንቈራ ድማ እቲ ንብዘላ ምድሪ ዓብሊሉ ዘሎ ማዕበል ናይ ሃገራዊ ስምዒት ኢዩ። ነቶም ከምቲ ክርስቶስ ብትብዓት ዝገበሮ ብስም የሆዋ ክመላለሱን ንዓለም ክስዕሩን ዝደልዩ ክርስትያናት ዝኸውን መምርሒታት: ኣብ ዓንቀጻት ናይ 1 ሕዳር 1939 እንደገናውን ናይ 1 ሕዳር 1979 ከምኡውን ናይ 1 መስከረም 1986 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ): ብዛዕባ ገለልትነት ዝምልከት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝምህር ብግልጺ ተነግረ።—ሚክያስ 4:1, 3, 5፣ ዮሃንስ 16:33፣ 17:4, 6, 26፣ 18:36, 37፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29

6. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣንቲጳስ ብምምሳል ኣብዚ ዘመናዊ እዋናት ጽኑዕ ኣቕዋም ዝሓዙ ብኸመይ ኢዮም፧

6 ከምዚ ዝበለ ምኽሪ ብህጹጽ ዘድሊ ኢዩ ነይሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቶም ቅቡኣት ይኹኑ ብጾቶም: ኣብ ቅድሚ እቲ ምምዝዛን ዘይነበሮ ናይ ሓርበኝነት ስምዒት ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ክቘሙ ነበሮም። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ተማሃሮን መማህራንን ነታ ሃገራዊት ሰንደቕ ዕላማ ሰላምታ ብዘይምግባሮም ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ተሰጉ: ኣብ ጀርመን ድማ ሰላምታ ምግባር ስለ ዝኣበዩ እቶም መሰኻኽር መሪር መስጐግቲ ወረዶም። ድሮ ከም ዝረኣናዮ ናይ ሂትለር ናዚ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ናብቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ሃገራዊ ስምዒት ምክፋል ስለ ዝኣበዩ ቀተልዎም። ኣብ 1930ታት ኣምልኾ ናይ ሃጸይ ኣብ ሃይማኖት ሺንቶ ኣዝዩ ገኒኑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ክልተ ፓይነር ኣገልገልቲ ኣብታ ብጃፓን ተታሒዛ ዝነበረት ታይዋን ብዙሕ ዘርኢ ናይታ መንግስቲ ዘርኡ። እቶም ወተሃደራት መራሕቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም: ኣብኡ ኸኣ ሓደ ካብኣቶም በቲ ዝወረዶ ክፉእ ኣተሓሕዛ ሞተ። እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ማእሰርቲ ወጸ ድሕሪ ምውጽኡ ብሕቖኡ ተኲሶም ቀተልዎ—ዘመናዊ ኣንቲጳስ ከኣ ዀነ። ክሳዕ ሎሚ ኣምልኾ ናይ ሃገራዊ ኣርማ ከምኡውን ንመንግስቲ ፍሉይ ተወፋይነት ዝሓቱ ሃገራት ኣለዉ። ሓያለይ መንእሰያት መሰኻኽር ብምኽንያት እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ዘርኣይዎ ተባዕ ኣቕዋም ተኣስሩ: እተቐትሉውን ሒደት ኣይኰኑን። ከምዚ ዝበለ ጸገማት ዘጋጥመካ መንእሰይ እንተድኣ ዄንካ ድማ “ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ” ምእንቲ ክትከውን እሞ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብሲ መዓልቲ-መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ኣጽንዕ።—እብራውያን 10:39–11:1፣ ማቴዎስ 10:28-31

7. ኣብ ሃገር ህንዲ መንእሰያት ነቲ ናይ ሃገራዊ ስምዒት ኣምልኾ ዝምልከት ጉዳይ ብኸመይ ተጋጠምዎ: ምስ እንታይ ፍረኸ፧

7 ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ መንእሰያትውን ተመሳሳሊ ጕዳያት ገጠሞም። ብ1985 ኣብ ሓንቲ ኬራላ እተባህለት ክፍሊ ሃገር ህንዲ: ሰለስተ ንኣሽቱ ቈልዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቶም ንኸይለማመጡ ሃገራዊ መዝሙር ምዝማር ኣበዩ። ካልኦት ክዝምሩ ኸለዉ ብኣኽብሮት ደው በሉ: ይኹን እምበር ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጉ። ኣቦ እቶም ተማሃሮ ኸኣ ነዚ ተግባር እዚ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ናይ ህንዲ ይግባይ በለ: ኣብኡ ኸኣ እቶም ክልተ ፈራዶ ነቶም ቈልዑ ዝድግፍ ውሳነ ኣመሓላለፉ: ብትብዓት ከኣ ከምዚ በሉ:- “ባህልና ተጻዋርነት ይምህር፣ ፍልስፍናና ተጻዋርነት ይምህር፣ ቅዋምና ኸኣ ተጻዋርነት የተግብር፣ ስለዚ ኣይነበላሽዎ።” ነዚ ጉዳይ እዚ ብምድጋፍ ጋዜጣታትን ጸሓፍቲ ርእሰ ዓንቀጽን ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ የሆዋ ዘምልኹ: ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስውን ብተኣማንነት ዘኽብሩ ክርስትያን ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዳርጋ ሓምሻይ ኣፍ ህዝቢ ዓለም ዝዀነ ተቐማጢ ምልእቲ እታ ሃገር ኣፍለጥዎ።

ዘባላሹ ጽልዋ

8. የሱስ ነቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኢሉ ክወቕሶም ኢዩ ኣድላዪ ኰይኑ ዝረኸቦ፧

8 እወ: እቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት ንጽህንኦም ዝሕልዉ ኢዮም ነይሮም። የሱስ “ግና: ቅሩብ ነገር ረኺበልካ ኣሎኹ” በለ። ከምዚ ዝበለ ወቐሳ ክዋሃቡሲ እንታይ ኰን ገይሮም ኢዮም፧ የሱስ “ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር: ንጣኦታት እተሐርደ ኺበልዑን ኪምንዝሩን ንባላቅ ዝመሀሮ ምህሮ በላዓም ዝሐዙ ስለ ዘለዉኻ” ብምባል ይነግረና።ራእይ 2:14

9. በላዓም መን ኢዩ ነይሩ: ምኽሩ “ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ” ዝገበረኸ ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

9 ብግዜ ሙሴ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ነቲ ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ገለ ቍሩብ ዝፈልጥ ዝነበረ እስራኤላዊ ዘይኰነ ነብዪ በላዓም: ንእስራኤል ክረግም ኢሉ ዓሰቦ። የሆዋ ንእስራኤል ክምርቕ ንጸላእቶም ድማ ክረግም ብምግዳድ ንበላዓም ተቓወሞ። በላዓም ብልሓት ዘለዎ መጥቃዕቲ ከዘውትር ብምምካር ንቝጥዓ ባላቅ ኣህድአ: እዚ ድማ ኣዋልድ ሞኣብ ንሰብኡት እስራኤል ናብ ከቢድ ጾታዊ ዘይስነ-ምግባርን ናብ ጣኦታዊ ኣምልኾ ናይ በዓል-ጴዖርን ከም ዝስሕቱ ብምግባር ኢዩ! እዚ ሜላ እዚ ኣሳልጦ ረኸበ። ሽዑ እቲ ጻድቕ ቍጥዓ የሆዋ ነደደ እሞ መዓት ኣውረደሎም: 24,000 ካብቶም ዝመንዘሩ እስራኤላውያን እውን ሞቱ—ካህን ፊንሃስ ነቲ እከይ ካብ እስራኤል ንምልጋስ ኣወንታዊ ስጕምቲ ክሳዕ ዝወስድ ከኣ እቲ ቝጥዓ ቀጸለ።—ዘሁልቍ 24:10, 11፣ 25:1-3, 6-9፣ 31:16

10. ነታ ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበረት ጉባኤ እንታይ መንሳተቲ ኢዩ ሰሊኹ ዝኣተዋ: እቶም ክርስትያናትከ ኣምላኽ ነቲ በደሎም ሸለል ክብሎ ኢዩ ኢሎም ክሓስቡ ዝኸኣሉስ ስለምንታይ ኢዮም፧

10 ሕጂ ኣብ ግዜ ዮሃንስከ: ከምዚ ዝበለ መንሳተቲ ኣብ ጴርጋሞስ ኣሎዶ፧ እወ: ኣሎ! ኣብታ ጉባኤ ዘይስነ-ምግባርን ኣምልኾ ጣኦትን ሰሊኹ ኣትዩ ኢዩ። እቶም ክርስትያን እቲኣቶም ነቲ ብሃዋርያ ጳውሎስ እተዋህቦም መጠንቀቕታ ኣምላኽ ኣየቕለቡሉን። (1 ቈረንቶስ 10:6-11) መስጐግቲ ስለ እተዓገሱ: የሆዋ ነቲ ዘርኣይዎ ናይ ጾታዊ ርክብ ገበን ሸለል ዝብሎም ኰይኑ ተሰሚዕዎም ይኸውን። ስለዚ የሱስ ከምዚ ዝበለ ረሲእነት ከርሕቑ ከም ዘለዎም ግልጺ ይገብረሎም።

11. (ሀ) ክርስትያናት ክጥንቀቑ ዝግብኦም ካብ እንታይ ኢዮም: ከመይ ዝበለ ኣተሓሳስባኸ ኢዮም ከልግሱ ዘለዎም፧ (ለ) ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ክሳዕ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኢዮም ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተወገዱ: ናይ መብዛሕትኦም ምኽንያትከ እንታይ ኢዩ፧

11 ሎሚውን ብተመሳሳሊ ክርስትያናት ከምቶም “ነቲ ጸጋ [“ዘይንበቕዖ ሕያውነት:” NW] ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ” ከይኰኑ ክጥንቀቑ ይግብኦም። (ይሁዳ 4) ክርስትያናዊ ደግነት ምእንቲ ከነጥሪ ድማ: እከይ ክንጸልእን ‘ንስጋና ከነሰቅዮን’ ይግብኣና። (1 ቈረንቶስ 9:27፣ መዝሙር 97:10፣ ሮሜ 8:6) ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ቅንኢ ምህላውን: ብግዜ መስጐግቲውን ንጽህና ምሕላውን: ኣብ ጾታዊ ብዕልግና ንኽንኣቱ ፍቓድ የውህበና ኢዩ ኢልና ፈጺምና ክንሓስብ ኣይግብኣናን። እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት: መብዛሕትኡ ግዜ ብምኽንያት ጾታዊ ዘይስነ-ምግባር ካብታ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ እተወገዱ ሰባት ቍጽሮም ዓሰርተታት ኣሻሕ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ዓመታት ካብቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ብሰንኪ ኣምልኾ በዓል-ጴዖር እተቐዝፉ ዝበዝሕውን ኰይኑ ኢዩ። ኣብቲ ናቶም ሕብረት ምእንቲ ከይንወድቕ ንጠንቀቕ!—ሮሜ 11:20፣ 1 ቈረንቶስ 10:12

12. ልክዕ ከምቲ ነቶም ቀዳሞት ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ሎሚኸ እንታይ ሕጊ ኢዩ ንክርስትያናት ዝምልከት፧

12 የሱስ ነቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ንጣኦታት እተሓርደ ስለ ዝበልዑ’ እውን ኣበርቲዑ ገሲጽዎም ኢዩ። እዚኸ እንታይ ዘጣመረ ኢዩ፧ ብመሰረት እቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፎ: ምናልባት ገሊኣቶም ነቲ ክርስትያናዊ ናጽነቶም ብዘይግቡእ ብምጥቃም ኰነ ኢሎም ንናይ ካልኦት ሕልና ይጎድኡ ነይሮም ይዀኑ። ወይ ከኣ ካብኡ ንላዕሊ ኣብቲ ቃል ብቓሉ ንጣኦታት ዝግበር በዓላት ይካፈሉ ነይሮም ይዀኑ። (1 ቈረንቶስ 8:4-13፣ 10:25-30) ሎሚ እሙናት ክርስትያናት ነቲ እተዋህቦም ክርስትያናዊ ናጽነት ክጥቀምሉ ኸለዉ ንኻልኦት ከይዕንቅፉ ብምጥንቃቕ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ከርእዩ ኣለዎም። ብርግጽ ክርስትያናት ካብዚ ከም ናይ ቲቪ: ናይ ፊልምታትን ስፖርትን ከዋኽብቲ ምምላኽ፣ ናይ ገንዘብ ወይውን ናይ ከብዲ ኣምላኽ ምግባር ዝኣመሰሉ ዘመናዊ ኣምልኾ ጣኦት ክርሕቁ ይግባእ!—ማቴዎስ 6:24፣ ፊልጲ 1:9, 10፣ 3:17-19

ካብ ኣንቆራነት ተሓለዉ!

13. የሱስ ነቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት ቀጺሉ እንታይ ተግሳጽ ኢዩ ዝሃቦም: እዚኸ ነታ ጉባኤ ዘድልያ ዝነበረ ስለምታይ ኢዩ፧

13 ቀጺሉውን የሱስ ነቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ይግስጾም:- “ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ አለዉኻ።” (ራእይ 2:15) ኣቐድም ኣቢሉ የሱስ ንተግባር ናይዚ ኣንቆራ እዚ ስለ ዝጸልኡ ንሰብ ኤፌሶን ንኢዱዎም ኢዩ። እቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት ግን ነታ ጉባኤ ካብ ኣንቆራነት ክሕልዉዋ ምኽሪ የድልዮም ነበረ። እቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 17:20-23 ዝጸለየሉ ሕብረት ምእንቲ ክዕቀብ ክርስትያናዊ ስርዓታት ንምሓዝ ዝያዳ ጽኑዕ ምዃን የድሊ። ‘በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምምዓድን: ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሕን’ ኣድላዪ ኢዩ።—ቲቶስ 1:9

14. (ሀ) ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ እታ ክርስቲያናዊት ጉባኤ ምስ መን ኢያ ክትቃለስ ዝነበራ: ሃዋርያ ጳውሎስከ ከመይ ገይሩ ኢዩ ገሊጽዎም ዘሎ፧ (ለ) ሓደ ናብቶም እተፈልዩ ጕጅለ ኣቢሉ ክጽጋዕ ዝዘዙ ሰብ እንታይ ናይ የሱስ ቃላት ኢዩ ከስተብህል ዝግብኦ፧

14 እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ምስቶም ብለመጭን መታለልን ዘረባ ገይሮም ኣብቲ ብናይ የሆዋ መትረብ ገይሩ እተዋህበ “ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ” ዕቡያት ከሓድቲ ክትቃለስ ነበራ። (ሮሜ 16:17, 18) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ሓደጋ እዚ ዳርጋ ኣብ ኵለን መልእኽቱ ኣጠንቂቑ ኢዩ። a የሱስ ነታ ሓቀኛ ማሕበር ኣብቲ ክርስትያናዊ ንጽህንኣን ሕብረታን ኣብ ዝመለሳ ዘመናዊ እዋንውን ከይተረፈ: ሓደጋ ኣንቆራነት ኣሎ። ስለዚ ነቲ እተፈልየ ጉጅለ ክስዕብ ዝዘዙ: እሞ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣንቆራ ዝፈጥር ዝዀነ ሰብ ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ናይ የሱስ ቃላት ከስተብህለሉ ይግብኦ:- “ስለዚ ተነሳሕ: እንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጸካ: ብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ።”ራእይ 2:16

15. ኣንቆራነት ብኸመይ ኢዩ ዝጅመር፧

15 ኣንቆራነት ብኸመይ ኢዩ ዝጅመር፧ ሓደ ባዕሉ መምህር እተባህለ ሰብ ብዛዕባ ገለ ሓቅታት (ከም ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ምህላውና) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክትዕ ብምልዓል: ጥርጠራ ይነዝሕ: በዚ ኸኣ ሓደ እተፈንጨለ ጕጅለ ይፍለ እሞ ይስዕቦ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ 2 ጴጥሮስ 3:3, 4) ወይ ድማ ሓደ ሰብ ነቲ የሆዋ ንዕዮኡ ዝፍጽመሉ ዘሎ ኣገባብ ይወቅስ እሞ: ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ሒዝካ ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ጥቕሳዊ ኣይኰነን: ኣየድልንውን ኢዩ ብምባል ናይ እንታይ ገደሰኒ መንፈስ የርኢ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣርኣያ ናይ የሱስን ሃዋርያቱን ተኸቲሎም ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣገልግሎት እንተ ዝሓብሩ ትሕት ምበሉ ነይሮም: እንተዀነ ግን ንሳቶም ተፈልዮም ብዘይ ስክፍታ ምናልባሽ ሓድሓደ ግዜ ብጕጅለ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ጥራይ ይፈትዉ። (ማቴዎስ 10:7, 11-13፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 20:20, 21) እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ብዛዕባ ዝኽሪ ሞት የሱስ: እቲ ካብ ደም ተሓለዉ ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ: ምብዓል በዓላት: ከምኡውን ኣጠቓቕማ ትምባኾ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ይፈጥሩ። ብዘይ እዚ ኸኣ ስም የሆዋ የሕስሩ: ቀልጢፎምውን ናብቲ ንዅሉ ሸለል ዝብል መገድታት ናይ ዓባይ ባቢሎን ይምለሱ። ካብዚ ዝገደደ ድማ: ገሊኦም ብሰይጣን ተደፊኦም ነቶም ሓደ ግዜ ኣሕዋቶም ዝነበሩ ‘ብጾቶም ባሮት ይሃርምዎም’።—ማቴዎስ 24:49፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:29፣ ራእይ 17:5

16. (ሀ) ብሰንኪ ጽልዋ ናይ ክሕደት ሰንከልከል ዝበሉ ሰባት ንኽናስሑ ቅልጡፋት ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነቶም ምንሳሕ ዝኣብዩኸ እንታይ ክወርዶም ኢዩ፧

16 ብሰንኪ ጽልዋ ናይ ክሕደት ሰንከልከል ዝብል ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ናይ ነስሓ ዕድመ ቀልጢፉ ከቕልበሉ ይግባእ! ናይ ከሓድቲ ፕሮፓጋንዳ መርዛም ስለ ዝዀነ ክንጸግ ኣለዎ! ምስቲ የሱስ ንጉባኤኡ ብጻድቕን ንጹህን ተፈታዊ ሓቅታትን ገይሩ ዝምግባ ኣወዳዲርካ እዚ መሰረቱ መንቀኝነትን ጽልእን ኢዩ። (ሉቃስ 12:42፣ ፊልጲ 1:15, 16፣ 4:8, 9) ነቶም ምንሳሕ ዝኣብዩ ግን ጐይታ የሱስ ‘ብሰይፊ ኣፉ ክዋግኦም’ ኢዩ። ነቲ በታ መወዳእታ ምሸት ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝጸለየሉ ሕብረት ምእንቲ ክዕቅብ ከኣ ንህዝቡ ይመምዮም ኣሎ። (ዮሃንስ 17:20-23, 26) እቶም ከሓድቲ ዝዀኑ ነቲ በቶም ኣብ የማነይቲ ኢዱ ዘለዉ ከዋኽብቲ ዝዋሃብ ፍቕራዊ ምኽርን ሓገዝን ስለ ዝነጽግዎ: የሱስ ኣብ ‘ወጻኢ ጸልማት ደርብዩ’ ‘ኣብ ክልተ ብምጭንዳሕ’ ክፈርዶምን ክቐጽዖምን ኢዩ። ይውገዱ እሞ ንህዝቢ ኣምላኽ ከም ማይ ብሑቕ ኣይኰኑዎምን።—ማቴዎስ 24:48-51፣ 25:30፣ 1 ቈረንቶስ 5:6, 9, 13፣ ራእይ 1:16

‘ስዉር ማናን ጻዕዳ እምንን’

17. እቶም ‘ዝስዕሩ’ ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ዓስቢ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ: እቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያን ክዋጽኡሉ ዝነበሮም ነገር እንታይ ኢዩ፧

17 ነቲ የሱስ ብመንፈስ የሆዋ ተመሪሑ ዝሃቦ ምኽሪ ዝሰምዑ ዅሎም ዓቢ ዓስቢ ኢዩ ዝጽበዮም። እስከ ንስማዓዮ! “እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት [ንጉባኤታት:” NW] ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ: ጻዕዳ እምኒ ድማ: ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ።” (ራእይ 2:17) ስለዚ እቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምቶም ኣብ ስሚርና ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ክስዕሩ’ ተተባብዑ። ክዕወቱ እንተደኣ ኰይኖም እቶም ኣብታ ዝፋን ሰይጣን ዝነበራ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ጣኦታት ክርሕቑ ነበሮም። ነቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ስርዓት: ኣንቆራነት: እቲ ምስ ባላቅን በላዓምን ኣንቆራ ኒቆላውያንን እተተሓሓዘ ክሕደት ከርሕቑ ነበሮም። ከምኡ ምስ ዝገብሩ ኸኣ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ካብቲ “ስዉር ማና” ክበልዑ ክዕደሙ ኢዮም። እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧

18, 19. (ሀ) እቲ የሆዋ ንደቂ እስራኤል ዘዳለወሎም ማና እንታይ ነበረ፧ (ለ) ስዉር ዝነበረ ማና እንታይ ኢዩ፧ (ሐ) ምብላዕ ናይቲ ስዉር ማና እንታይ የመልክት፧

18 ብግዜ ሙሴ: የሆዋ ንእስራኤላውያን ንምዕንጋል ኣብቲ ናይ በረኻ ጕዕዞኦም ማና ሃቦም። እቲ ማና እቲ ስዉር ኣይነበረን: ንግሆ-ንግሆ—ብዘይካ ብመዓልቲ ሰንበት—ብተኣምራታዊ መገዲ ኣብ ልዕሊ ዛዕዝዓ ወሪዱ ንምድሪ ይመልኣ ነበረ። እዚ ንእስራኤላውያን ብህይወት ዘንብር መለኮታዊ ምድላው ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ቅሩብ ካብቲ “ማና” ኣብ ፍዮ ወርቂ መሊኡ ‘ንውሉድ ወለዶ [ደቂ እስራኤል]’ ንመዘከርታ ኣብ ታቦት ኪዳን ከንብር ኣዘዞ።—ዘጸኣት 16:14, 15, 23, 26, 33፣ እብራውያን 9:3, 4

19 ኣየ ከመይ ዝበለ ዝሰማማዕ ተምሳል ኢዩ! እቲ ማና ድማ ኣብቲ ንህላወ የሆዋ ዘመልክት ብርሃን ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዝረኣየሉ ዝነበረ ቅድስተ ቅዱሳን ናይቲ ማሕደር ይቕመጥ ነበረ። (ዘጸኣት 26:34) ዋላ ሓደ እኳ ይኹን ነቲ ስዉር ማና ክበልዕ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ እቲ ክኣቱ ዝፍቀደሉ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: የሱስ እቶም ዝስዕሩ ቅቡኣት ሰዓብቱ ካብቲ “ስዉር ማና” ክበልዑ ኢዮም በለ። ከምቲ ክርስቶስ ቅድሚኦም ዝኣተዎ ንሳቶምውን ‘ናብ ሰማይ እምበር ኣብቲ: ምስሊ ሓቂ: ብኢድ እተገብረት መቕደስ’ ኣይኣተዉን። (እብራውያን 9:12, 24) ካብ ምውታት ክትንስኡ ከለዉ ዘይትሓልፍን ዘይትመውትን ህይወት ኢዮም ዝለብሱ: እዚ ኸኣ በቲ ዘይጠፍእ “ስዉር ማና” ምቕባሎም ዝምሰል መስተንክር ምድላው የሆዋ ኢዩ። እዝስ ነዞም ዝሰዓሩ ሒደት ጕጅለ ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!—1 ቈረንቶስ 15:53-57

20, 21. (ሀ) ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ጻዕዳ እምኒ ምሃብ እንታይ የመልክት፧ (ለ) 144, 000 ጸዓዱ ኣእማን ጥራይ ስለ ዘሎስ እቶም ዓቢ ጭፍራ ተስፍኦም እንታይ ኢዩ፧

20 እዚኣቶም “ጻዕዳ እምኒ” እውን ይቕበሉ። ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ሮማውያን ንእምኒ ፍርዲ ኣብ ምትሕልላፍ ይጥቀምሉ ነበሩ። b ጻዕዳ እምኒ ሓራ ምውጻእ ክኸውን ከሎ ጸሊም እምኒ ኸኣ ናይ መቕጻዕቲ ፍርዲ: ዝበዝሕ ግዜ ኸኣ ናይ ሞት ፍርዲ ኢዩ ዘመልክት። የሱስ ነቶም ኣብ ጴርጋሞስ ዝነበሩ ክርስትያናት “ጸዕዳ እምኒ” ምሃቡ ድማ: ቅኑዓት: ንጹሃት: ከምኡውን ጽሩያት ኢሉ ከም ዝፈረዶም የመልክት። ይኹን እምበር: እተን ናይ የሱስ ቃላት ተወሳኺ ትርጕም ክህልወን ይኽእል ኢዩ። ብግዜ ሮማውያን: ኣእማን ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ምርኢት ንምእታው ዝጠቅም ቲከትውን ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ጻዕዳ እምኒ ነቲ ዝስዕር ቅቡእ ክርስትያን ሓደ ፍሉይ ነገር—ንመርዓ ናይቲ ገንሸል ኣብ ሰማይ ኣብ ቦታ ኽብሪ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ከመልክት ይኽእል ኢዩ። ካብዚ ኣእማን እዚ 144, 000 ጥራይ ኢዩ ዝዋሃብ።—ራእይ 14:1፣ 19:7-9

21 ሓደ ካብቶም ናይ ኣምልኾ ብጾቶም ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ እንተድኣ ኴንካስ ተረሲዕካ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን! እቲ ናብ ሰማይ ዘእቱ ጻዕዳ እምኒ እኳ እንተ ዘይተቐበልካ: ምስ እትጽመም ካብቲ ዓቢ ጸበባ ድሒንካ ኣብቲ ዘሐጕስ ንምድሪ ኣብ ገነት ናይ ምምላስ ዕዮ ክትካፈል ኢኻ። እቶም ዝትንስኡ: ቅድመ-ክርስትና ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልትን እቶም በዚ ቐረባ ግዜ ዝሞቱ ክፍሊ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕን ምሳኻ ኣብዚ ዕዮዚ ክሓብሩ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም በጅነት ዝረኸቡ ምዉታት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ብህይወት ንምንባር ክትንስኡ ኢዮም።—መዝሙር 45:16፣ ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:9, 14

22, 23. ኣብቲ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እተዋህቦም እምኒ እተጻሕፈ ስም ትርጕሙ እንታይ ኢዩ: እዚኸ ከመይ ዝበለ መተባብዒ ኢዩ ክህብ ዝኽእል፧

22 እቲ ኣብቲ እምኒ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም እንታይ ኢዩ፧ ስም ንሓደ ሰብ እተለልየሉን ካብ ካልኦት እትፈልየሉን መገዲ ኢዩ። እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም ከም ሰዓርቲ ኰይኖም ምድራዊ ጉያኦም ምስ ወድኡ ኢዮም ነቲ እምኒ ዝቕበልዎ። ስለዚ እምበኣር እቲ ኣብቲ እምኒ ዝጸሓፍ ስም ምስቲ ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ምሕባሮም ዝተኣሳሰር ፍሉይ መሰሎም ኢዩ—እዚ ጥብቂ ዝዀነ ቦታ ናይ ንጉሳዊ ኣገልግሎት ከኣ ነቶም ወረስቲ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀኑ ጥራይ ኢዩ ዝዋሃብ ስለዚ “ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ” ስም ወይ ሹመት ናይ መዝነት ኢዩ።—ምስ ራእይ 3:12 ኣረኣእዮ።

23 እዝስ ነቲ ክፍሊ ዮሃንስ “እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ” ክሰምዕን ኣብ ግብሪ ኸውዕልን ከመይ ዝበለ መለዓዓሊ ኰን ኢዩ! ከምኡውን ነቶም ብጾቶም ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ብተኣማንነት ምስኦም ብምግልጋል ሕብረቶም ኣብዚ ምድሪ ክሳዕ ዘለዉ ከስተማቕሩን ንኻልኦት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምንጋር ከኣ ክሓብሩን ኣየ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፋት]

b ግብሪ ሃዋርያት 26:10: ከምኡውን ኣብ እግረ-ጽሑፍ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ ተመልከት።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 43 ዘሎ ስእልታት]

እዚ ዘስፋሕፍሐ ናይ ኣረማውያን ኣምልኾ መረጋገጺታት እዚ ኣብቲ ኣብ በርሊን ዝርከብ ናይ ጴርጋሞን ቤተ-መዘክር ተዘርጊሑ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 45 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ማና ቅሩብ ኣብ ታቦት ቃል ኪዳን ተሰዊሩ ነበረ። ነቲ ምሳልያዊ ሕቡእ ማና ምቕባል ማለት ነቶም ዝሰዓሩ ቅቡኣት ዘይመውት ህይወት ክዋሃቡ ማለት ኢዩ

[ኣብ ገጽ 45 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ጻዕዳ እምኒ: ነቶም ኣብ መርዓ እቲ ገንሸል ክኣትዉ እተፈቕደሎም ኢዩ