ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ፍርዲ ምፍጻም

ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ፍርዲ ምፍጻም

ምዕራፍ 35

ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ፍርዲ ምፍጻም

1. እቲ መልኣኽ ነቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ብኸመይ ይገልጾ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ራእይ ምልክታት ንምርዳእ እንታይ ዓይነት ጥበብ ኢዩ ዝድለ፧

 ነቲ ኣብ ራእይ 17:3 ተጠቒሱ ዘሎ ቀይሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ቀጺሉ ክገልጾ ኸሎ እቲ መልኣኽ ንዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግሮ:- “ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮም። ሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም: እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም: እቲ ሓደ አሎ: እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን: ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ።” (ራእይ 17:9, 10) እቲ መልኣኽ ነታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ኢዩ ዘመሓላልፍ ዘሎ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ምልክታት ንምስትውዓሉ እትሕግዝ እንኮ ጥበብ እዚኣ ኢያ። (ያእቆብ 3:17) እዛ ጥበብ እዚኣ ነቲ ክፍሊ ዮሃንስን ነቶም ብጾቱን: ክብደት ናይዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ተብርሃሎም። እዚኣ: እቶም ውፉይ ኣልባብ ዘሎዎም ነቲ ሕጂ ክፍጸም ተቐሪቡ ዘሎ ፍርድታት የሆዋ ከማስውሉን ጥዑይ ፍርሃት የሆዋ ክህልዎምን ትሕግዞም። ምሳሌ 9:10 ከምዚ ትብል:- “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ: ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።” መለኮታዊት ጥበብ ብዛዕባ እቲ ኣራዊት እንታይ ትገልጸልና፧

2. እቶም ሸውዓተ ኣራእስ ናይቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ትርጕሞም እንታይ ኢዩ: “እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም: እቲ ሓደ አሎ:” ዝብሃልከ ብኸመይ ኢዩ፧

2 እቶም ሸውዓተ ርእሲ ናይቲ ጨካን ኣራዊት ንሸውዓተ “ከረን” ወይ ከኣ ሸውዓተ “ነገስታት” ኢዮም ዘመልክቱ። ክልቲአን ስያመታት ብጥቕሳዊ መገዲ ንመንግስታዊ ስልጣናት ኢየን ዘመልክታ። (ኤርምያስ 51:24, 25፣ ዳንኤል 2:34, 35, 44, 45) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሽዱሽተ ሓይሊ ዓለም ኣብ ጉዳያት ህዝቢ ኣምላኽ ጽልዋ ከም ዘሎዎም ኰይኖም ኢዮም ተጠቒሶም ዘለዉ: ንሳቶም ከኣ ግብጺ: ኣሶር: ባቢሎን: ሜዶ-ፋርስ: ግሪኽ: ከምኡውን ሮሜ ኢዮም። ሓሙሽተ ካብዚኣቶም ዮሃንስ ንመጽሓፍ ራእይ ክቕበል ከሎ ድሮ መጺኦምን ሓሊፎምን ኢዮም: ሮሜ ግን ገና ሓይሊ ዓለም ኢያ ነይራ። እዚ ምስቲ “እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም: እቲ ሓደ አሎ” ዝብል ቃላት ይሰማማዕ ኢዩ። እቲ ክመጽእ ዝነበሮ “ሓደ”ኸ ደኣ፧

3. (ሀ) ናይ ሮሜ ሃጸይ ብኸመይ ኢያ ክትመቓቐል ዝኸኣለት፧ (ለ) ኣብ ምዕራብ እንታይ ምዕባለታት ኢዩ እተራእየ፧ (ሐ) እቲ ቅዱስ ናይ ሮሜ ሃጸይ ብኸመይ ኢዩ ዝርአ፧

3 ናይ ሮሜ ሃጸይ ቀጸለት: ድሕሪ መዓልታት ዮሃንስ ከይተረፈ እኳ ደኣ ንኣማእታት ዓመታት ኣስፋሕፍሐት። ብ330 ከ.ኣ.ዘ. ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ንመናገሻ ከተምኡ ካብ ሮሜ ናብታ ኮስታንቲኖፖል ኢሉ ዝሰመያ ቢዛንትዩም ኣግዓዞ። ብ395 ከ.ኣ.ዘ. ሃጸይ ሮሜ ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ክፍልታት ተመቕለት። ብ410 ከ.ኣ.ዘ. ሮሜ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ኢድ ኣላሪክ ንጉስ ናይ ቪዚጐታውያን (ናብ ናይ ኣርያን “ክርስትና” እተለወጠ ዓሌት ጀርመን) ወደቐት። ናይ ጀርመን ዓሌታት (ንሳቶምውን “ክርስትያን”) ንስጳኛን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነበረ ብዙሕ ግዝኣት ሮሜን ስዒሮም ሓዝዎ። ንዘበናት ዝኣክል: ኣብ ኣውሮጳ ናዕቢ: ዕግርግርን ዳግመ ምትዕርራይን ነበረ። ኣብ ምዕራብ ከምቶም ኣብ 9ይ ክፍለ-ዘበን ምስ ጳጳስ ለዮ 3ይ ስምምዕ ዝገበረ ቻርልማኝ ከምኡውን እቲ ኣብ መበል 13 ክፍለ-ዘበን ዝገዝእ ዝነበረ ፍረደሪክ ካልኣይ ዝኣመሰሉ ውሩያት ሃጸያት ተላዕሉ። ግዝኣቶም ግን ሽሕ እኳ ቅዱስ ናይ ሮሜ ሃጸይ ተባሂሉ እንተተሰምየ: ካብቲ እታ ቐዳመይቲ ሃጸይ ሮሜ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሓትሉ ዝነበረት እዋን ዝነኣሰ ኢዩ ነይሩ። ሓድሽ ሃጸይ ዘይኰነስ ናይዛ ጥንታዊት ሓይሊ እዚኣ ምሕዳስን ምቕጻልን ኢዩ ነይሩ።

4. እቲ ምብራቓዊ ሃጸይ እንታይ ዓወታት ኢዩ ነይርዎ: ንመብዛሕትኡ እቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ስጳኛን ሶርያን ዝነበረ ግን እንታይ ኣጋጠሞ፧

4 እቲ መደበሩ ኣብ ኮንስታንቲኖፖል ዝነበረ ናይ ሮሜ ምብራቓዊ ሃጸይ: ምስቲ ምዕራባዊ ሃጸይ ብዘይምቅዳው ኢዩ ቐጺሉ። ኣብ ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን: እቲ ናይ ምብራቕ ሃጸይ ጁስቲንያን ቀዳማይ ንመብዛሕትኡ ሰሜን ኣፍሪቃ እንደገና ሓዞ: ኣብ ስጳኛን ኢጣልያንውን ጣልቃ ኣተወ። ኣብ ሻውዓይ ክፍለ-ዘበን ጁስቲንያን ካልኣይ ነቲ ብዓሌት ስላቫውያን ተታሒዙ ዝነበረ ናይ መቄዶንያ ከባቢታት ናብቲ ግዝኣት ኣምለሶ። እንተዀነ ግን ኣብ ሻምናይ ክፍለ-ዘበን: መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ: ስጳኛን ሶርያን ዝነበረ ናይ ቀደም ግዝኣታት ጥንታዊት ሮሜ: ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ ግዝኣት ናይ ኣስላም ኣተወ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብ ቍጽጽር ኮንስታንቲኖፖልን ሮሜን ኣልገሰ።

5. ከተማ ሮሜ ብ410 ከ.ኣ.ዘ. እኳ እንተ ወደቐት: እቲ ኹሉ ኣሰር ናይ ፓለቲካዊት ሃጸይ ሮሜ ካብ ትርኢት ዓለም ክጠፍእ ብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ዝወሰደ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

5 ከተማ ኮንስታንቲኖፖል ንርእሳ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ጸኒሓ ኢያ። ክሳዕ እቲ ኣብ መወዳእታ ብ1203: ኣብ ኢድ ኣስላም ዘይኰነስ ኣብ ኢድ እቶም ካብ ምዕራብ ዝመጹ መስቀላውያን እትወድቕ ካብ ፋርሳውያን: ኣዕራብ: ቡልጋርያውን: ከምኡውን ሩስያውያን ንዝገጠማ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ተጻዊራ ነበረት። ብ1453 ግን: ኣብ ትሕቲ ስልጣን ናይ መሕመድ ካልኣይ እቲ ኣስላማይ ኦቶማናዊ ኣተወት: ብኡብኡ ኸኣ ርእሲ ከተማ ናይ ኦቶማን ወይ ከኣ ቱርኪ ሃጸይ ኰነት። በዚ ኸምዚ: ከተማ ሮሜ ብ410 ከ.ኣ.ዘ. እኳ እንተወደቐት እቲ ዅሉ ኣሰር ናይ ፖለቲካዊት ሃጸይ ሮሜ ካብ ትርኢት ዓለም ክጠፍእ ብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ወሰደ። ሽዑ እውን ከይተረፈ ጽልውኡ ኣብተን ኣብ ጵጵስና ናይ ሮሜን ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናትን እተመስረተ ሃይማኖታዊ ሃጸያት ይርአ ነበረ።

6. እንታይ ሓድሽ ሃጸያት ኢዩ ዝማዕበለ: እታ ኣዝያ ዕውቲ ዝዀነትከ ኣየነይቲ ኢያ፧

6 ይኹን እምበር: ኣብ መበል 15 ክፍለ-ዘበን: ገለ ሃገራት ሓድሽ ሃጸያት ይሃንጻ ነበራ። ገለ ካብዘን ሓደሽቲ ሃጸያውያን ሓይልታት ኣብቲ ቀደም ግዝኣት ናይ ሮሜ ዝነበረ ቦታታት እኳ ዝርከባ እንተነበራ: ሃጸያዊ ግዝኣተን መቐጸልታ ናይ ሃጸይ ሮሜ ኣይነበረን። ፖርቱጋል: ስጳኛ: ፈረንሳ: ከምኡውን ሆላንድ መንበሪ ናይቲ ክሳዕ ርሑቕ ዘስፋሕፍሕ ግዝኣታት ኰና። ኣዝያ ዕውቲ ዝነበረት ግን እታ ነቲ ‘ጸሓይ ፈጺሙ ዘይዓረቦ’ ሃጸይ እትቈጻጸር ዝነበረት ብሪጣንያ ኢያ። እዛ ሃጸያዊት ግዝኣት እዚኣ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ኣብ መብዛሕትኡ ክፍልታት ናይ ሰሜን ኣመሪካ: ኣፍሪቃ: ህንድን ደቡባዊ ምብራቕ እስያን: ከምኡውን ኣብ ጽፍሒ ናይ ደቡብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ኣስፋሕፍሐ።

7. ድርብ ሓይሊ ዓለም ኣብ ህላወ ዝመጸ ብኸመይ ኢዩ: ዮሃንስከ እቲ ሻውዓይ ‘ርእሲ’ ወይ ሓይሊ ዓለም ንኽንደይ ግዜ ከም ዝቕጽል ኢዩ እተዛረበ፧

7 ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን: ገለ ካብተን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነበራ ግዝኣታት ካብ ብሪጣንያ ብምዕላው ድሮ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቚመን ነይረን ኢየን። ኣብ መንጎ እታ ሓዳስ ሃገርን እታ ናይ ቀደም ገዛኢት ሃገርን: ገለ ናይ ፖለቲካ ምግርጫዋት ይቕጽል ነበረ። ይኹን እምበር: ቀዳማይ ውግእ ዓለም ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ረብሓታተን ክግንዘባን ኣብ መንጎአን ከኣ ፍሉይ ዝምድና ክገብራን ኣገደደን። በዚ ኸምዚ: በዛ ሎሚ ኣብ ዓለም ኣዝያ ዝሃብተመት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን በታ መንበር ናይቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝዀነት ዓባይ ብሪጣንያን ዝቘመ ድርብ ሓይሊ ዓለም ኣብ ህላወ መጸ። እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝቕጽልን ኣብቲ ናቱ ቦታ ኸኣ እዞም ዘመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጀመርታ ዝቘሙሉን ሻውዓይ ‘ርእሲ’ ወይ ከኣ ሓይሊ ዓለም እምበኣር እዚ ኢዩ። ምስቲ ንነዊሕ ዝጸንሐ ግዝኣት ናይቲ ሻድሻይ ርእሲ ክወዳደር ከሎ እቲ ሻውዓይ ክሳዕ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ሃገራዊ ክፍልታት እትድምስሶ “ቅሩብ” ክጸንሕ ኢዩ።

ስለምንታይ ሻምናይ ንጉስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፧

8, 9. እቲ መልኣኽ ነቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ምሳልያዊ ኣራዊት እንታይ ኢሉ ይጽውዖ: ካብቶም ሸውዓተ ዝወጽእከ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

8 እቲ መልኣኽ ቀጺሉ ንዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይገልጸሉ:- “እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት: ንሱ ድማ ሳምናዮም እዩ: ካብቶም ሾብዓተ ኸኣ እዩ: ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ።” (ራእይ 17:11) እቲ ምሳልያዊ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት “ካብቶም” ሸውዓተ ኣራእስ ዝወጸ ኢዩ፣ እዚ ማለት ከኣ ምውላዱ ወይ ህላወኡ ካብ ኣራእስ ናይቲ “ካብ ባሕሪ ዝወጸ ኣራዊት” ኢዩ: እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ከኣ ናይዚ መጀመርታ ኣራዊት ምስሊ ኢዩ። በየናይ መገዲ፧ ብ1919 ናይ ኣንግሎ-ኣመሪካ ሓይሊ እቲ ዝገዝእ ርእሲ ኢዩ ነይሩ። እቶም ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣራእስ ወዲቖም: እቲ ዓብላሊ ሓይሊ ዓለም ከኣ ናብዚ ድርብ ርእሲ ሓለፈ: ሕጂ ኸኣ ኣብኡ ኣተኰረ። እዚ ሻውዓይ ርእሲ እዚ: ከም እዋናዊ ወኪል ናይ መስመር ሓይልታት ዓለም: እተኣሳሰራ መንግስታት ንምቛም ቀንዲ ኣንቀሳቓሲ ሓይሊ ነበረ: ገና ኸኣ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቀንዲ ኣማዕባልን ናይ ገንዘብ ደጋፍን ኢዩ። በዚ ኸምዚ ብተምሳል: እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት—እቲ ሳምናይ ንጉስ—“ካብቶም” ናይ መጀመርታ ሸውዓተ ኣራእስ ዝወጽእ ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ክርአ ኸሎ: እቲ ካብቶም ሸውዓተ ኢዩ ወጺኡ ዝብል ሓሳብ: ምስቲ እቲ ምስሊ ከም ዝቐውም ዝገበረን ህይወት ዝሃቦን እቲ ከም ናይ ገንሸል ዝበለ ክልተ ቐርኒ ዘሎዎ ኣራዊት (ናይ ኣንግሎ ኣመሪካ ሓይሊ ዓለም: ሻውዓይ ርእሲ ናይቲ ቀንዲ ኣራዊት) ኢዩ ዝብል ኣቐድም ኣቢሉ እተገልጸ ሓሳብ ይሰማማዕ ኢዩ።—ራእይ 13:1, 11, 14, 15

9 ኣብ ርእሲ እዚ: ቀዳሞት ኣባላት ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ንዓባይ ብሪጣንያ እውን ሓዊስካ ከም በዓል ግሪኽ: ኢራን (ፋርስ): ከምኡውን ኢጣልያ (ሮሜ) ዝበሉ ኣብ መንበር ናይ ገለ ካብቶም ቀዳሞት ኣራእስ ዝገዝኡ ይርከብዎም። ኣብ መወዳእትኡ: እቶም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ናይቶም ቀዳሞት ሽዱሽተ ሓይልታት ዓለም ዝነበረ ቦታታት ዝገዝኡ መንግስታት: ደገፍቲ ኣባላት ናይ ምስሊ እቲ ኣራዊት ኰኑ። በዚ ዓይነት እዚ: እቲ ቐይሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ካብቶም ሸውዓተ ሓይልታት ዓለም ኢዩ መጺኡ ክብሃል ይከኣል ኢዩ።

10. (ሀ) እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት “ሳምናዮም እዩ” ዝበሃል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ናይ ሶቭየት ሕብረት ነበር መራሒ ብኸመይ ኢዩ ንሕቡራት ሃገራት ደገፉ ዝገለጸ፧

10 እቲ ቐይሕ ዝሕብሩ ኣራዊት “ሳምናዮም እዩ” ተባሂሉ ከም ዘሎ ኣስተብህል ኢኻ። በዚ ኸምዚ: ሎሚ ሕቡራት ሃገራት ናይ ዓለም መንግስቲ መሲላ ከም እትርአ ኰይና ኢያ ቈይማ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ከም ብዓል ኮርያ: ሲናይ ፐኒሱላ: ገለ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት: ከምኡውን ሊባኖስ ነቲ ኣህጉራዊ ዘይምስምማዕ ንምዕራፍ ናብቲ ቦታ ሰራዊት ብምስዳድ ከም መንግስቲ ኰይና ከይተረፈ ሰሪሓ ኢያ። ይኹን እምበር: ምስሊ ናይ ሓደ ንጉስ ጥራይ ኢያ። ከም ሓደ ሃይማኖታዊ ምስሊ: ብዘይካ እቶም ኣብ ህላወ ዘምጽእዋን ዘምልኽዋን ኣብኣ ዘፍስስዎ ገንዘብን: ብሓቂ ጽልዋ ወይ ሓይሊ የብላን። ሓድሓደ ግዜ እዚ ምሳልያዊ ኣራዊት እዚ ድኹም መሲሉ ይርአ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን: በቶም ንእተኣሳሰራ መንግስታት ናብ መዓሙቝ ዝሰደዱ ናይ ውልቀ-መላኽነት ኣራኣእያ ዘሎዎም ኣባላት ጃምላዊ ምጥንጣን ኣጓኒፍዋ ኣይፈልጥን። (ራእይ 17:8) ኣብ ካልእ ነገራት ፈጺሙ እተፈልየ ኣረኣእያታት እኳ እንተነበሮ: ሓደ ፍሉጥ መራሒ ናይ ሶቭየት ሕብረት ነበር ብ1987 ንሕ.ሃ. ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ ነቶም ናይ ሮሜ ጳጳሳት ሓበሮም። ንሓደ ኣብ ሕቡራት ሃገራት እተመስረተ “ኣጠቓላሊ ኣገባብ ናይ ኣህጉራዊ ሰላም” እውን ከይተረፈ ጻውዒት ገበረ። ዮሃንስ ቀልጢፉ ከም ዝርድኦ: ሕቡራት ሃገራት ብዓቢ ስልጣን ስጕምቲ እትወስደሉ ግዜ ክመጽእ ኢዩ። ብድሕርዚ ንሳውን ብግዲኣ ‘ናብ ጥፍኣት ክትከይድ ኢያ።’

ዓሰርተ ነገስታት ንሓንቲ ሰዓት

11. መልኣኽ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ምሳልያዊ ኣራዊት ዘለዉ ዓሰርተ ቐርኒ እንታይ ይብል፧

11 ኣብታ ዝሓለፈት ምዕራፍ ናይ መጽሓፍ ራእይ: እቶም ሻድሻይን ሻውዓይን መላእኽቲ ጽዋኣት ቍጥዓ ኣምላኽ ኣፍሰሱ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ነገስታት ምድሪ ኣብ ኣርማጌዶን ኣብቲ ውግእ ኣምላኽ ይእከቡ ከም ዘለዉን ‘ዓባይ ባቢሎን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም እትዝከር’ ተነጊርና ነበርና። (ራእይ 16:1, 14, 19) ሕጂ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እዚኣቶም ብኸመይ ከም ዝፍጸም ብዝዓበየ ዝርዝር ክንማሃር ኢና። እቲ መልኣኽ የሆዋ ንዮሃንስ ክዛረቦ ኸሎ እሞ ደጊምካ ስምዓዮ። “እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ መንግስቲ ገና ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግናኸ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም: ንሓንቲ ሰዓት ምልኪ ዚቕበሉ እዮም። እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ አለዎም: ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ እዮም። እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም: እቲ ገንሸል ግና: ጐይታ ጐይተትን ንጉሰ ነገስትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ኪስዕሩ እዮም።”—ራእይ 17:12-14

12. (ሀ) እቶም ዓሰርተ ቐርኒ እንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧ (ለ) እቶም ዓሰርተ ቐርኒ ‘መንግስቲ ገና ዘይተቐበሉ’ ብኸመይ ኢዮም፧ (ሐ) እቶም ምሳልያውያን ዓሰርተ ቐርኒ ሕጂ “መንግስቲ” ዘለዎም ብኸመይ ኢዩ: ንኽንደይ ዝኣክል ግዜኸ፧

12 እቶም ዓሰርተ ቐርኒ: ነቶም ሕጂ ንትርኢት ዓለም ዝቈጻጸርዎ ዘለዉን ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዝድግፉን ፖለቲካውያን ሓይልታት ዘመልክቱ ኢዮም። ካብዘን ሎሚ ዘለዋ ዓድታት ብግዜ ዮሃንስ ዝፍለጣ ዝነበራ ኣዝየን ውሑዳት ኢየን። እተን ሽዑ ዝነበራ ከም ብዓል ግብጽን ፋርስን (ኢራን) ዝኣመሰላ ኸኣ: ሎሚ ፈጺሙ እተፈልየ ፖለቲካዊ ኣቃውማ ኢዩ ዘለወን። ስለዚ: ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን: እቶም ‘ዓሰርተ ቐርኒ መንግስቲ ገና ኣይተቐበሉን ኢዮም ነይሮም።’ ሕጂ ግን ኣብ መዓልቲ ጐይታ “መንግስቲ” ወይ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣሎዎም። ምስ ምውዳቕ ናይተን ዓበይቲ ገዛእቲ ሃጸያት ብፍላይ እኳ ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀው ብዙሓት ሓደስቲ ሃገራት ተወሊደን ኢየን። እዚኣተንን እተን ንነዊሕ ግዜ ቈይመን ዝጸንሓ ሓይልታትን: የሆዋ ንናይ ዓለም ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኣርማጌዶን መወዳእታ ክሳዕ ዘምጽኣሉ ምስቲ ኣራዊት ንሓጺር እዋን—“ንሓንቲ ሰዓት”—ክገዝኣ ኢየን።

13. እቶም ዓሰርተ ቐርኒ በየናይ መገዲ ኢዮም “ሓደ ሓሳብ” ዝህልዎም: እዚኸ ኣብቲ ገንሸል እንታይ ኣረኣእያ ከም ዘሎዎም ኢዩ ዘረጋግጽ፧

13 ሃገራውነት ካብቶም ሎሚ ነዞም ዓሰርተ ቐርኒ ዝድርኽዎም ዘለዉ ዝበርትዑ ሓይልታት ሓደ ኢዩ። ኣብ ክንዲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝቕበሉ: ሃገራዊ ሉዓላውነቶም ክዕቅቡ ብምድላዮም “ሓደ ሓሳብ” ኣሎዎም። ንእተኣሳሰራ መንግስታትን ሕቡራት ሃገራትን ዝድግፉሉ ቀንዲ ዕላማ: ናይ ዓለም ሰላም ንምዕቃብ በዚ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሶም ህላወ ንምሕላው ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ: እቶም ቐርኒ ነቲ ገንሸል: “ጐይታ ጐይተትን ንጉሰ ነገስትን” ክቃወምዎ ከም ዝዀኑ ኢዩ ዘረጋግጽ: ምኽንያቱ የሆዋ እታ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቱ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንዅለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ክትክአን ዕላምኡ ኢዩ።—ዳንኤል 7:13, 14፣ ማቴዎስ 24:30፣ 25:31-33, 46

14. ገዛእቲ ዓለም ምስቲ ገንሸል ክዋግኡ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም: እቲ ውጽኢትከ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

14 ብርግጽ: እዞም ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣንጻር የሱስ ክርስቶስ ክገብርዎ ዝኽእሉ ዋላ ሓንቲ የብሎምን። ንሱ ኣብቲ ንሳቶም ክበጽሕዎ ዘይክእሉ ሰማይ ኢዩ ዘሎ። እቶም ተረፍ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ዝዀኑ ኣሕዋት የሱስ ግን ኣብ ምድሪ ኢዮም ዘለዉ: ንመጥቃዕቲ ኸኣ እተቓልዑ ኢዮም። (ራእይ 12:17) ብዙሓት ካብቶም ቀርኒ ኣብ ልዕሊኦም ድሮ መሪር ጽልኢ ኣርእዮም ኢዮም: በዚ መገዲ እዚ ኸኣ ምስቲ ገንሸል ተዋግኡ። (ማቴዎስ 25:40, 45) ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ግን: መንግስቲ ኣምላኽ ‘ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን እትጭፍልቐሉን እተጥፍኣሉን’ ግዜ ክመጽእ ኢዩ። (ዳንኤል 2:44) ቀልጢፍና ክንርእዮ ከም ዘሎና: ኣብቲ ግዜ እቲ እዞም ነገስታት ምድሪ ምስቲ ገንሸል ናይ መዛዘሚ ውግእ ክዋግኡ ኢዮም። (ራእይ 19:11-21) ኣብዚ ግን እቶም ህዝብታት ከም ዘይዕወቱ ንምግንዛብ እኹል ትምህርቲ ንረክብ። ንሳቶምን ሕቡራት ሃገራትን: እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት “ሓደ ሓሳብ” እኳ እንተ ኣሎዎም ነቲ ዓቢ “ጐይታ ጐይተትን ንጉሰ ነገስትን” ክስዕርዎ ኣይክእሉን ኢዮም: “እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን” ነቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ሰዓብቱንውን ሓዊስካ ክስዕርዎም ኣይክእሉን ኢዮም። እዚኣቶም እውን ነቲ ናይ ሰይጣን እኩይ ክስታት መልሲ ብምሃብ ንጽህንኦም ብምሕላው ክስዕሩ ኢዮም።—ሮሜ 8:37-39፣ ራእይ 12:10, 11

ነታ ኣመንዝራ ምዕናው

15. እቲ መልኣኽ ብዛዕባ እታ ኣመንዝራ ከምኡውን ብዛዕባ ኣራኣእያን ስጕምትን ናይቶም ዓሰርተ ቐርንን ናይቲ ኣራዊትን እንታይ ይብል፧

15 ህዝቢ ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰኑን ኣደዳ ጽልኢ ናይቶም ዓሰርተ ቐርኒ ዝዀኑ። ሕጂ እቲ መልኣኽ ንኣቓልቦ ዮሃንስ ናብታ ኣመንዝራ ይመልሶ: ከምዚ ብምባል:- “እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርኤኻዮ ማያትሲ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም። እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም።”—ራእይ 17:15, 16

16. ዓባይ ባቢሎን ፖለቲካውያን መንግስታት ክስልበጥዋ ኸለዉ ናይ መከላኸሊ ሓገዝ ምእንቲ ክትረክብ ኣብ ማያታ ክትጽጋዕ ዘይትኽእል ስለምንታይ ኢያ፧

16 ልክዕ ከምቲ ጥንታዊት ባቢሎን ኣብቲ ማያዊ መከላኸሊኣ ትውከል ዝነበረት: ሎሚውን ዓባይ ባቢሎን ኣብቲ ብዙሓት ኣባልነት ናይ “ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ትውከል ኣላ። እቲ መልኣኽ ፖለቲካውያን መንግስታት ናይዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ብሓይሊ ክስልበጥዋ ምዃኖም ዝነግር ዘሰንብድ ምዕባለ ቅድሚ ምንጋሩ ኣቓልቦና ናብቶም ብዙሓት ኣባላታ ከም እነተኵር ምግባሩ ግቡእ ኢዩ። ሽዑኸ እዞም “ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን” እንታይ ክገብሩ ኢዮም፧ ህዝቢ ኣምላኽ ድሮ ንዓባይ ባቢሎን እቲ ናይ ርባ ኤፍራጥስ ማይ ክነቅጽ ምዃኑ የጠንቅቕዋ ኣለዉ። (ራእይ 16:12) ኣብ መወዳእታ እቶም ማያት እቲኣቶም ፈጺሞም ክነጽፉ ኢዮም። ነዛ እተፈንፍን ኣረጊት ኣመንዝራ ኣብቲ ዝዓበየ ሓገዝ እትደልየሉ ሰዓት ውጽኢታዊ ደገፍ ኣይክህብዋን ኢዮም።—ኢሳይያስ 44:27፣ ኤርምያስ 50:38፣ 51:36, 37

17. (ሀ) ሃብቲ ናይ ዓባይ ባቢሎን ከድሕና ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) መወዳእታ ናይ ዓባይ ባቢሎን ካብ ክብረት ዝረሓቐ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧ (ሐ) ኣብ ርእሲ እቶም ዓሰርተ ቐርኒ ወይ ከኣ ውልቃውያን ሃገራት ኣብ ዕንወት ናይ ዓባይ ባቢሎን ዝጽንበር ካልእ መን ኢዩ፧

17 እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ንዋታዊ ሃብቲ ናይ ዓባይ ባቢሎን ብርግጽ ኣይከድሕናን ኢዩ። እኳ ድኣ ጥፍኣታ ዘቀላጥፍ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ከመይሲ እቲ ኣራዊትን እቶም ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ልዕሊኣ ጽልኦም ከውጽኡ ኸለዉ ነቲ ንጉሳዊ ኣልባሳታን ንዅሉ ስልማታን ክገፍዎ ምዃኖም ኢዩ እቲ ትርኢት ዘመልክት። ንሃብታ ክብዝብዝዎ ኢዮም። ብዘሕፍር መገዲ ነቲ ናይ ሓቂ መንነታ ብምቕላዕ ‘ጥራያ ክገብርዋ’ ኢዮም። ኣየ ዕንወት! መወዳእትኣ ካብ ክብረት ዝረሓቐ ኢዩ። ኬጥፍእዋ ኢዮም: “ንስጋኣ ኺበልዑን” ህይወት ኣልቦ ኣስከሬን ክገብርዋን ኢዮም። ኣብ መወዳእታ: ‘ብሓዊ ከንድድዋ ኢዮም።’ ከም ሓደ ተሸካሚ ፌራ ዀይና ንቡር ቀብሪ ከይረኸበት ብሓዊ ክትነድድ ኢያ! እቶም በቶም ዓሰርተ ቐርኒ ተመሲሎም ዘለዉ ሃገራት ነታ ዓባይ ኣመንዝራ ዘጥፍኡዋ በይኖም ኣይኰኑን: ኣብ ክንድኡ ግን እቲ “ኣራዊት” ማለት ሕቡራት ሃገራት ባዕላውን ኣብቲ ዕንወት እቲ ክትጽምበሮም ኢያ። ንጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ፍቓድ ክትህብ ኢያ። ብዙሓት ካብተን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ልዕሊ 190 ሃገራት: ኣብ ሃይማኖት ብፍላይ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለወን ጽልኢ: በቲ ናይ ድምጺ ምሃብ ኣገባበን ድሮ ኣርእየን ኢየን።

18. (ሀ) ሃገራት ንባቢሎናዊ ሃይማኖት ከም ዝስልበጥኦ እንታይ ድሮ እተራእየ ተኽእሎ ኣሎ፧ (ለ) መሰረታዊ ምኽንያት ናይቲ ኣብ ልዕሊ እታ ዓባይ ኣመንዝራ ዝወርድ ዘየዳግም መጥቃዕቲ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

18 እዞም ሃገራት እዚኣቶም ነዛ ናይ ቀደም ውሽምኦም ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ መገዲ ዝሕዝዋስ ስለምንታይ ኢዮም፧ ንባቢሎናዊ ሃይማኖት ከምዚ ዝበለ ምስልባጥ ከጋጥሞ ተኽእሎ ከም ዘሎ ናይ ቀረባ ታሪኽ የርኢ ኢዩ። ኣብ ከም ሶቭየት ሕብረት ነበርን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት ወግዓዊ ናይ መንግስቲ ተቓውሞ ንሃይማኖታዊ ጽልዋ ኣጸቢቑ ነክይዎ ኢዩ። ኣብቲ ፕሮተስታንት ዝዀነ ናይ ኣውሮጳ ክፍልታት: ግኑን ዝዀነ ዘይተገዳስነትን ጥርጠራን ንኣብያተ ክርስትያናት ጥራየን ኣትሪፉወን ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ሃይማኖት ዳርጋ ምዉት ኰነ። ነቲ ሰፊሕ ናይ ካቶሊክ ግዝኣት ከኣ እቶም መራሕቱ ከህድእዎ ዘይከኣሉ ዕልወትን ዘይምስምማዕን ከፋፊልዎ ኣሎ። እንተዀነ ግን: እዚ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ዝወርድ ናይ መወድእታን ዘየዳግምን መጥቃዕቲ ከም መግለጺ ናይቲ ኣብ ልዕሊ እታ ዓባይ ኣመንዝራ ክወርድ ዘለዎ ዘይልወጥ ፍርዲ ኣምላኽ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን ኢዩ።

ሓሳብ ኣምላኽ ምፍጻም

19. (ሀ) እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዛ ዓባይ ኣመንዝራ ዘውርዶ ፍርዲ: በቲ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ልዕሊ እታ ከሓዲት የሩሳሌም ዝወረደ ፍርዱ ክግለጽ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ብድሕሪ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ዝባደመን ሰብ ዘይነብረሉን ኵነታት የሩሳሌም ንግዜና እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

19 የሆዋ ነዚ ፍርዲ እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጽሞ፧ እዚ በቲ የሆዋ ኣንጻር እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ከሓድቲ ህዝቡ ዝወሰዶ ስጕምቲ ክግለጽ ይኽእል ኢዩ: ብዛዕብኦም ከምዚ በለ:- “ኣብ ነብያት የሩሳሌም ከኣ ዜሰክሕ ርኤኹ፤ የመንዝሩ: ብሓሶት ይመላለሱ: ሓደ እኳ ኻብ እከዩ ኸይምለስ: ኢድ እቶም እኩያት የጽንዑ አለዉ። ኵላቶም ከም ሶዶም: እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ድማ ኸም ጎሞራ ዀኑኒ።” (ኤርምያስ 23:14) ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ነታ ብመንፈስ ዝመንዘረት ከተማ ‘ክዳውንታ ኺቕንጥጥ: ክቡር ስልማታ ኺወስድ ዕርቕትን ንውልቃን ገይሩ ኪሓድጋ’ ንነቡካድነጻር ተጠቕመሉ። (ህዝቅኤል 23:4, 26, 29) እታ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረት የሩሳሌም ናይታ ሎሚ ዘላ ህዝበ-ክርስትያን ተምሳል ኢያ: ከምቲ ዮሃንስ ኣብቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝነበረ ትርኢታት ዝረኣዮ ኸኣ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝበ-ክርስትያንን እቲ ዝተረፈ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ተመሳሳሊ መቕጻዕቲ ከውርድ ኢዩ። እቲ ብድሕሪ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ዝባደመን ሰብ ዘይነብረሉን ኵነታት የሩሳሌም: ሃይማኖታዊት ህዝበ-ክርስትያን ሃብታ ምስ ተቐንጠጠን ብዘሕፍር መገዲ ምስ ተቐልዐትን ክትመስሎ ዘለዋ ኢዩ ዘመልክት። እቲ ዝተረፈ ናይ ዓባይ ባቢሎን ክፍሊውን ዝሓሸ ኣይከጋጥሞን ኢዩ።

20. (ሀ) የሆዋ ፍርዱ ንምፍጻም እንደገና ሰብኣውያን ገዛእቲ ክጥቀም ከም ዝዀነ ብኸመይ የርኢ፧ (ለ) “ሓሳብ” ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧ (ሐ) ሃገራት ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም “ሓደ ሓሳብ” ብኸመይ ኢዮም ዝፍጽምዎ: ብሓቂ ግን ናይ መን ሓሳብ ኢዩ ዝፍጸም፧

20 የሆዋ ፍርዲ ንምፍጻም እንደገና ሰብኣውያን ገዛእቲ ይጥቀም። “ማለት: ኣምላኽ: ሓሳቡ ኺገብሩን ሓደ ሓሳብ ኪዀኑን: ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም ከኣ: መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ኪህብዎን ኣብ ልቦም ኣእትዩ አሎ።” (ራእይ 17:17 ) “ሓሳብ” ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧ ነቶም ቀተልቲ ዓባይ ባቢሎን ፈጺሞም ምእንቲ ከጥፍኡዋ ብሓደ ከም ዝሰምሩ ምግባር ኢዩ። ብርግጽ: እቶም ገዛእቲ ከጥቅዑዋ ዝድርኾም ነቲ ናይ ገዛእ ርእሶም “ሓደ ሓሳብ” ንምፍጻም ኢዩ። ነታ ዓባይ ኣመንዝራ ምስልባጦም ንሃገራዊ ረብሕኦም ከም ዝዀነ ክስዕምዖም ኢዩ። ኣብ ዶባቶም እተመሓደረ ሃይማኖት ምቕጻሉ ንሉዓላውነቶም ዘስግእ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። ብሓቂ ግን የሆዋ ባዕሉ ኢዩ ነቲ ጉዳይ ዘቃንዖ፣ ንሳቶም ነዛ ንነዊሕ ዘበናት ጸላኢቱ ዝዀነት ኣመንዝራ ብሓንቲ ምዝባጥ ኣጥፊኦም ናቱ ሓሳብ ክፍጸሙ ኢዮም!—ምስ ኤርምያስ 7:8-11, 34 ኣረኣእዮ።

21. እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ዓባይ ባቢሎን ንምጥፋእ ከገልግል ካብ ኰነ: ንሕቡራት ሃገራት ብዝምልከት ሃገራት እንታይ ክገብሩ ምዃኖም ኢዩ ርዱእ ዝኸውን፧

21 እወ: ሃገራት ንዓባይ ባቢሎን ንምጥፋእ: እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ማለት ሕቡራት ሃገራት ክጥቀማ ኢየን። ብናቶም ተበግሶ ኣይዓዩን ኢዮም: ከመይሲ የሆዋ ‘ሓደ ሓሳብ ኪዀኑ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ’ ኣብ ልቦም ከእቱ ኢዩ። ግዚኡ ምስ በጽሐ: መንግስታት ንሕቡራት ሃገራት ከሐይልኣ ከም ዘድሊ ክግንዘባ ኢየን። ኣብ ልዕሊ ሓሶት ሃይማኖት ምእንቲ ክትለዓል እሞ “ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም” ብዓወት ክትዋጋእ: ዘሎወን ሽመትን ሓይልን ብምሃብ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣስናን ክገብራላ ኢየን። በዚ ኸምዚ: እታ ጥንታዊት ኣመንዝራ ፈጺማ ክትጠፍእ ኢያ። ጽቡቕ ምጽራግ ከኣ ይግበረላ!

22. (ሀ) ኣብ ራእይ 17:18 እቲ መልኣኽ ምስክርነቱ ንምድምዳም እተጠቕመሉ መገዲ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምቕላዕ ናይቲ ምስጢር ብኸመይ ይምልሽሉ፧

22 እቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክወርድ ዘለዎ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ክሳዕ ክንደይ ርግጽ ምዃኑ ንምጕላሕ: እቲ መልኣኽ ነቲ ምስክርነቱ ከምዚ ብምባል ይድምድሞ:- “እታ ዝርኤኻያ ሰበይቲ ድማ ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።” (ራእይ 17:18) ከምታ ብግዜ ቤልሻጽር ዝነበረት ባቢሎን: ዓባይ ባቢሎን እውን ‘ብሚዛን ተመዚና: ቀሊላ ተረኺባ’ ኢያ። (ዳንኤል 5:27) ጥፍኣታ ቅልጡፍን ናይ መወዳእታን ክኸውን ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ንምቕላዕ ምስጢር ናይታ ዓባይ ኣመንዝራን ናይቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊትን ብኸመይ ይምልሽሉ፧ ነቶም ብቕንዕና ሓቂ ዝደልዩ ሰባት “ብጸጋ” እናመለሹ: ብቕንኢ ንመዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ይእውጁ ኣለዉ። (ቈሎሴ 4:5, 6፣ ራእይ 17:3, 7) እዛ እትቕጽል ምዕራፍና ከም እተርእዮ: ኵሎም እቶም እታ ዓባይ ኣመንዝራ ክትጠፍእ ከላ ክድሕኑ ዝደልዩ ብዝቐልጠፈ ግዜ ስጕምቲ ክወስዱ ይግባእ!

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 252 ዘሎ ስእልታት]

ብተኸታታሊ ዝተንስኡ ሸውዓተ ሓይልታት ዓለም

ግብጺ

አሶር

ባቢሎን

ሜዶ-ፋርስ

ግሪኽ

ሮሜ

ኣንግሎ-ኣመሪካ

[ኣብ ገጽ 254 ዘሎ ስእልታት]

“ንሱ ድማ ሳምናዮም እዩ”

[ኣብ ገጽ 255 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ገንሸል ሕቖኦም ብምሃብ ‘ሓይሎምን ስልጣኖምን ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ እዮም’

[ኣብ ገጽ 257 ዘሎ ስእሊ]

ህዝበ-ክርስትያን ከም ቀንዲ ክፍሊ ናይ ዓባይ ባቢሎን መጠን ፈጺማ ብምጥፍኣ ንጥንታዊ የሩሳሌም ክትመስል ኢያ