ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘እተሓርዱ ነፍሳት’ ዓስቢ ረኸቡ

‘እተሓርዱ ነፍሳት’ ዓስቢ ረኸቡ

ምዕራፍ 17

‘እተሓርዱ ነፍሳት’ ዓስቢ ረኸቡ

1. ኣብ ኣየናይ ግዜ ኢና ንነብር ዘሎና: ብዛዕባ እዚኸ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ፧

 ናይ ኣምላኽ መንግስቲ ትገዝእ ኣላ! እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ ስዕረቱ ኣብ ምፍጻም ገጹ ኢዩ! እቲ ሓመር ፈረስ: እቲ መጋል ፈረስን እቲ ቡላ ፈረስን ኣብ ብዘላ ምድሪ ይጋልቡ ኢዮም ዘለዉ! እቲ የሱስ ባዕሉ ብዛዕባ ንጉሳዊ ህላዌኡ ብትንቢት ተዛሪብዎ ዝነበረ ኸኣ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ማቴዎስ ምዕራፍ 24፣ ማቴዎስ ምዕራፍ 25፣ ማርቆስ ምዕራፍ 13፣ ሉቃስ ምዕራፍ 21) እወ: ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ኣገባብ እዚ ኢና እንነብር ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እቲ ኵነታት ከምዚ ካብ ኰነ እምበኣር: እቲ ገንሸል የሱስ ክርስቶስ ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ናይቲ ጥቕላል ክፈትሖ ከሎ ተጠንቂቕና ነቕልብ። ኣብ ከመይ ዝበለ ካልእ ራእይ ኢና ሕጂ እንካፈል፧

2. (ሀ) እቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ተፈትሐ ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝረኣየ፧ (ለ) ኣብ ሰማይ ምሳልያዊ መሰውኢ ከም ዘሎ ከነንብብ ከሎና ክንግረም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

2 Jዮሃንስ ሓደ ዘለዓዕል ትርኢት ይገልጽ:- “ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ: ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ።” (ራእይ 6:9) እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኣብ ሰማይ ዘሎ መሰውኢ ድዩ፧ እወ! ኣብዚ ዮሃንስ መሰውኢ ዝጠቐሰ ንመጀመርታ ግዜኡ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ: እቶም ከቢቦሞ ዘለዉ ኪሩቤላትን ባሕሪ መረጸንን መብራህትን እቶም ዕጣን ዝሓዙ 24 ሽማግለታትን ከም ዝረኣየ ድሮ ገሊጹ ኢዩ፣ እዚ ዅሉ ኸኣ: ምስቲ የሆዋ ኣብ ናይ እስራኤል ቤት መቕደስ ዝነበሮ ምድራዊ ማሕደር ይመሳሰል። (ዘጸኣት 25:17, 18፣ 40:24–27, 30–32፣ 1 ዜና መዋእል 24:4) እሞኸ ደኣ: ኣብ ሰማይ ምሳልያዊ መሰውኢ እንተረኸብናስ ከገርመናዶ ይግባእ፧—ዘጸኣት 40:29

3. (ሀ) ኣብቲ ናይ ጥንታዊ ማሕደር ‘ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ’ ደም ዝክዖ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ዮሃንስ ነቶም መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እቲ ምሳልያዊ መሰውኢ ዝረኣዮም ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ኣብ ትሕቲ እቲ መሰውኢ ድማ “ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ” ኣሎ። እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እዚኣቶም ከምቲ እቶም ኣረማውያን ግሪኽ ዝኣምንዎ ኣካል ዘይብለን ነፍሳት ኣይኰኑን። (ዘፍጥረት 2:7፣ ህዝቅኤል 18:4) ዮሃንስ ነፍሲ ወይ ህይወት ብደም ከም ዝምሰል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ: ከመይሲ እቶም ካህናት ኣብቲ ጥንታዊ ናይ ኣይሁድ ማሕደር ንመስዋእቲ ዝኸውን እንስሳ ምስ ሓረዱ ነቲ ደሙ “ኣብ ልዕሊ መሰውኢ: ኣብ ዙርያኡ” ይነጽግዎ ወይ ‘ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ምሕራር’ ይኽዕውዎ ነበሩ። (ዘሌዋውያን 3:2, 8, 13፣ 4:7፣ 17:6, 11, 12) በዚ ኸምዚ ድማ ነፍሲ እቲ እንስሳ ምስቲ መሰውኢ ጥብቂ ርክብ ነበሮ። እንተዀነ ግን: ነፍሳት ወይ ደም ናይዞም ፍሉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ: ኣብ ትሕቲ ምሳልያዊ መሰውኢ እተራእየ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ሞቶም ከም መስዋእቲ ስለ ዝቝጸር ኢዩ።

4. ሞት ናይቶም ብመንፈስ እተወልዱ ክርስትያናት መስዋእቲ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል በየናይ መገዲ ኢዩ፧

4 ብሓቂ ኵሎም እቶም ብመንፈስ እተወልዱ ደቂ ኣምላኽ መስዋእታዊ ሞት ኢዮም ዝሞቱ። ብምኽንያት እቲ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ የሆዋ ዘለዎም ግደ ድማ: ነቲ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንኽነብሩ ዝነበሮም ዝዀነ ተስፋ ክገድፍዎን ክስውእዎን ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ኸኣ ምእንቲ ናይ የሆዋ ሉዓላውነት ኢሎም መስዋእታዊ ሞት ክሞቱ ፍቓደኛታት ኢዮም። (ፊልጲ 3:8-11፣ ምስ ፊልጲ 2:17 ኣረኣእዮ።) እዚ ኸኣ ኣብቶም ዮሃንስ ኣብ ትሕቲ እቲ መሰውኢ ዝርኣዮም ብሓቂ እተፈጸመ ነገር ኢዩ። ንሳቶም ብምኽንያት እቲ ንቓል የሆዋን ሉዓላውነቱን ንምድጋፍ ዘርኣይዎ ትጕህ ኣገልግሎት ብሰማእትነት ዝሓለፉ ቅቡኣት ኢዮም። “ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን [ማር·ቲ·ር΄ʹያን] እተሐርዱ” ኢዮም።

5. እቶም እሙናት ሞይቶም ክነሶም: ነፍሳቶም ሕነ ክፍደየሉ ይጠርዕ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

5 ምግላጽ ናይቲ ትርኢት ይቕጽል እሞ: “ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ: ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ: ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ ኽሳ[] መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ።” (ራእይ 6:10) መጽሓፍ ቅዱስ: ምዉታት ገለ እኳ ኣይፈልጡን ኢዮም እናበለ ኸሎ: ከመይ ገይሩ ደኣ ኢዩ ነፍሳቶም ወይ ደሞም ሕነ ክፍደ ክጠርዕ ዝኽእል፧ (መክብብ 9:5) ደም ናይቲ ጻድቕ ዝነበረ ኣቤል ቃየል ምስ ቀተሎ ኣይጠርዐንዶ ኢዩ፧ ሽዑ የሆዋ ንቃየል “እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ድምጺ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ” በሎ። (ዘፍጥረት 4:10, 11፣ እብራውያን 12:24) ኣብዚ ቃል ብቓሉ ደም ኣቤል ኣይተዛረበን። ኣቤል ብዘይ ገለ ገበን ኢዩ ሞይቱ: ፍትሒ ኸኣ እቲ ቀታሊኡ ንኽቕጻዕ ጠርዐት። ብተመሳሳሊ እቶም ብሰማእትነት እተቐትሉ ክርስትያን ገበን ኣይነበሮምን: ብፍትሒ ድማ ሕነ ክፍደየሎም ይግባእ። (ሉቃስ 18:7, 8) እቲ ናይ ሕነ ምፍዳይ ጥርዓን ድማ ኣዝዩ ዓው ዝበለ ኢዩ: ምኽንያቱ ብኸምዚ ዝሞቱ ብዙሓት ኣሽሓት ኢዮም።—ምስ ኤርምያስ 15:15, 16 ኣረኣእዮ።

6. ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ሕነ እተፈድየሉ ከመይ ዝበለ ዝፈሰሰ ንጹህ ደም ኢዩ፧

6 እዚ ምስቲ ምናሴ ብ716 ቅ.ኣ.ዘ. ክነግስ ከሎ ኣብታ ዓለወኛ ይሁዳ ዝነበረ ኵነታት ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። ብዙሕ ንጹህ ደም ኢዩ ኣፍሲሱ: ምናልባትውን ንነብዪ ኢሳይያስ ‘ዝመገዘ’ ንሱ ኢዩ ዝኸውን። (እብራውያን 11:37፣ 2 ነገስት 21:16) ምናሴ ጸኒሑ ተጣዒሱ ኣካይድኡ እኳ እንተ ኣጸበቐስ: እቲ ናይ ደም ገበን ግን ኣይተረስዐን። ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎናውያን ንመንግስቲ ይሁዳ ክድምስስዋ ከለዉ: “ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣትን . . .ብሰሪ እቲ ንጹህ ደም ዘፍሰሶን: ንየሩሳሌም ከኣ ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣ: ንይሁዳ ኻብ ቅድሚ ገጹ ኼግልሳ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ኢዩ ዝዀነ። በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን።”—2 ነገስት 24:3, 4

7. “ደም ቅዱሳን” ብምፍሳስ ቀንዲ ገበነኛ መን ኢዩ፧

7 ከምቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሎሚውን ሓያለይ ካብቶም ንናይ ኣምላኽ መሰኻኽር ዝቐተሉ ሰባት ድሮ ነዊሕ ግዜ ይገብር ዝሞቱ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እታ ንኣታቶም ብሰማእትነት ዘቕተለቶም ማሕበር ግን: ጌና ህያውን ናይ ደም ገበነኛን ኢያ ዘላ። ንሳ ድማ እታ ምድራዊት ማሕበር ሰይጣን: ምድራዊት ዘርኡ ኢያ። ካብኣ እታ ምርእይቲ ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን: ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኢያ። a ንሳ ድማ “ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ” ተራእየት። እወ: “ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ” ኢዩ። (ራእይ 17:5, 6፣ 18:24፣ ኤፌሶን 4:11፣ 1 ቈረንቶስ 12:28) ኣየ ከመይ ዝበለ ጾር ናይ ደም ገበን ኰን ኢዩ! ዓባይ ባቢሎን ክሳዕ ዘላ ድማ: ደም እቶም ዝቐተለቶም ዓው ኢሉ ፍትሒ ክግበር ክጠርዕ ኢዩ።—ራእይ 19:1, 2

8. (ሀ) እንታይ ኣብነታት ናይ ሰማእታዊ ሞት ኢዩ ኣብ እዋን ዮሃንስ እተፈጸመ፧ (ለ) ብሃጸያት ናይ ሮሜ እተፈጸመ መስጐግቲ እንታይ ኢዩ፧

8 ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: እቲ ጨካን ዝዀነ ተመንን ምድራዊ ዘርኡን ነታ እትስስን ዝነበረት ጉባኤ ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት ምስ ተዋግእዋ: ዮሃንስ ባዕሉ ናይ ዓይኒ ምስክር ናይቲ ሰማእታዊ ሞት ኢዩ ነይሩ። ዮሃንስ ጐይታና ክስቀል ከሎ ርእይዎ ኢዩ: ከምኡውን መቕተልቲ እስቲፋኖስ: ያእቆብ ሓዉ: ጴጥሮስ: ጳውሎስን ካልኦት ናይ ቀረባ ብጾቱን ርእዩ ኢዩ። (ዮሃንስ 19:26, 27፣ 21:15, 18, 19፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:59, 60፣ 8:2፣ 12:2፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:1፣ 4:6, 7) ብ64 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ሮማዊ ሃጸይ ኔሮ ነቲ ገበነኛ ዝገብሮ ዝነበረ ወረ ክሽፍን ክብል: ክርስትያናት ነታ ከተማ ኣንዲዶማ ብምባል ዘይገበርዎ በደል ኣሰከሞም። ታሲቱስ እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ይብል:- “[ክርስትያናት] ብናይ መላገጺ ሜላታት ኢዮም ሞይቶም፣ ንገሊኦም ቈርበት ኣራዊት ይኸድንዎም እሞ ብድሕሪኡ በኽላባት ተመንጨቱ: ገሊኦም ድማ [ተሰቕሉ]: b ገሊኦምውን ከም ሽግ ብለይቲ ንኸብርሁ ነደዱ።” እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሃጸይ ደሚሻን (81-96 ከ.ኣ.ዘ.) ዝወረደ ተወሳኺ ማዕበል ናይ መስጐግቲ: ዮሃንስ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ከም ዝሕየር ገበረ። ከምቲ የሱስ “ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” ዝበሎ ዀነ።—ዮሃንስ 15:20፣ ማቴዎስ 10:22

9. (ሀ) ሰይጣን ኣብቲ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ቀንዲ መስድዒ ኢዩ ዝመሃዘ: እዚኸ ቀንዲ ክፍሊ ናይ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ገለ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዝነበሩ ገዛእቲ: ብግዜ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ይሕዝዎም ነበሩ፧

9 ኣብቲ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ሰይጣን ድያብሎስ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን: ነቲ ቐንዲ መስድዒ ብልሓቱ መሃዘ: እዚኣ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ጕልባብ ናይ “ክርስትያን” እተሸፈነ ባቢሎናዊ ኣገባብ ናይታ ከሓዲት ሃይማኖት ህዝበ-ክርስትያን ኢዩ። ንሳ ቀንዲ ክፍሊ ዘርኢ ናይቲ ተመን ኢያ: ኣብ ብዙሓት ንሓድሕደን ዘይቃደዋ ኣንቈራታት ከኣ ተኸፋፊላ ኣላ። ከምታ ጥንቲ ዝነበረት ዘይእምንቲ ይሁዳ: ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ኣብ ክልቲኡ ወገን ኣጸቢቓ ኢዳ ብምእታዋ ከቢድ ናይ ደም ገበን ተሰኪማ ኢያ። ገሊኦም ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዝነበሩ ፖሊቲካውያን ገዛእቲ ነዚ ውግእ እዚ: ነቶም ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምቕታል ከም ምኽኒት ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ብዛዕባ መስጐግቲ ሂትለር ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመልኪቱ ሓደ ርእይቶ ናይታ ብፍረድሪክ ዚፕፈል እተጻሕፈት ኪርቸንካምፕፍ ኢን ዶችላንድ እተባህለት መጽሓፍ (ቋንቋ ጀርመን) ከምዚ ትብል:- “ሓደ ሲሶ ካባታቶም [ካብ መሰኻኽር] ብምርሻን: ብኻልእ ጨካን ተግባራት: ብጥሜት: ብሕማም: ወይ ብብርቱዕ ስራሕ ማሲኖም ሞቱ። እቲ ዘይለማመጥ እምነቶም ምስቲ ፖሊቲካዊ ርእይቶ ናይ ናሽናል ሶሻሊዝም ክሰማማዕ ስለ ዘይከኣለ እቲ ኣብ ልዕሊኦም እተፈጸመ ግፍዒ ቅድሚ ሽዑ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኢዩ።” ብዛዕባ ህዝበ-ክርስትያንን ኣቕሽሽታን “ክሳዕ ኣብ ዘፋፍር ክዳንኪ ደም እቶም ዝቐተልክዮም ንጹሃት ድኻታት ተረኽበ” ክበሃለላ ብሓቂ ዝከኣል ኢዩ።—ኤርምያስ 2:34 c

10. ኣብ ሓያለይ ሃገራት ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ መንእሰያት እንታይ መስጐግቲ ኢዩ ዘጋጠሞም፧

10 ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ እሙናት መንእሰያት ካብ 1935 ኣትሒዞም ኣብ ሓያለይ ሃገራት እቲ ዝኸበደ መስጐግቲ ኣሕሊፎም ኢዮም። (ራእይ 7:9) ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ምስ ተወድአውን ከይተረፈ: ኣብ ሓንቲ ከተማ 14 መንእሰያት መሰኻኽር የሆዋ ብማሕነቕቲ ተቐትሉ። ገበኖምከ እንታይ ይኸውን፧ ‘ደጊም ውግእ ኣይንማሃርን’ ስለ ዝበሉ ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:4) ኣብዚ ቐረባ ግዜ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ኣፍሪቃን በዚ ምኽንያት እዚ መንእሰያት ክሳዕ ሞት ተዘቢጦም ወይ ተረሺኖም ኢዮም። እዞም ብቑዓት ደገፍቲ ናይቶም ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ ዝዀኑ መንእሰያት ሰማእታት እዚኣቶም: ኣብታ መብጽዓ ተገይሩላ ዘሎ ሓዳስ ምድሪ ብርግጽ ክትንስኡ ኢዮም።—2 ጴጥሮስ 3:13፣ ምስ መዝሙር 110:3፣ ማቴዎስ 25:34–40፣ ሉቃስ 20:37, 38 ኣረኣእዮ።

ጻዕዳ ኽዳን

11. እቶም ብሰማእትነት ዝሞቱ ቅቡኣት ክርስትያናት “ጻዕዳ ኽዳን” ዝቕበሉ በየናይ መገዲ ኢዮም፧

11 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ናይ ጥንቲ እሙናት ሓለውቲ ንጽህና ምስ መዝገበ ከምዚ በለ:- “ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ: ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ: እዚኦም ኵላቶም: ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ: ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።” (እብራውያን 11:39, 40) እቲ ጳውሎስን እቶም ካልኦት ቅቡኣት ክርስትያናትን ዝጽበይዎ “ዚሐይሽ” እንታይ ኢዩ፧ ኣብዚ ዮሃንስ ብራእይ ርእይዎ ኣሎ:- “ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም: እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ: ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም።” (ራእይ 6:11) “ጻዕዳ ኽዳን” ምቕባሎም ድማ: ምስቲ ዘይሞቱ መንፈሳውያን ፍጡራት ንኽዀኑ ዝትንስእዎ እተተሓሓዘ ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ከም እተሓርዱ ነፍሳት ኰይኖም ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ኣይኰኑን ኢዮም: ኣብ ክንድኡስ ክፍሊ ናይቶም ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ዝፋን ኣምላኽ ኰይኖም ዘምልኹ 24 ሽማግለታት ክዀኑ ክትንስኡ ኢዮም። ኣብኡ ንዕኦምውን ዝፋናት ተዋሂብዎም ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ንግስነት መሰል ከም ዝኣተዉ የርኢ። “ጻዕዳ ክዳውንቲ” እውን ተኸድኑ: እዚ ድማ ኣብቲ ሰማያዊ ዝፋን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናይ ክብሪ ቦታ ንኽረኽቡ ጻድቃን ኰይኖም ከም እተፈርዱ ዘመልክት ኢዩ። ብተወሳኺውን እቲ የሱስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ሳርዴስ ዝነበሩ እሙናት ቅቡኣት ክርስትያን “እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ” ኢሉ እተመባጽዓሎም ይፍጸም ኣሎ ማለት ኢዩ።—ራእይ 3:5፣ 4:4፣ 1 ጴጥሮስ 1:4

12. እቶም ዝተንስኡ ቅቡኣት ‘ንቕሩብ ከዕርፉ’ ዘለዎም በየናይ መገዲ ኢዩ: ክሳዕ መኣዝከ፧

12 እዚ ሰማያዊ ትንሳኤ እዚ: የሱስ ብ1914 ኣብ ዝፋኑ ድሕሪ ምቕማጡን ንሰማይ ካብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንኸንጽሃ ክጋልብ ድሕሪ ምጅማሩን: ብ1918 ከም ዝጀመረ ኵሉ መርትዖታት የረጋግጸልና። እንተዀነ ግን: ነቶም ዝተንስኡ ቅቡኣት ቍጽሪ ናይቶም “ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ: . . . ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም።” እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ክፍሊ ዮሃንስ ኣብ ግዜ ፈተናን መስጐግትን ንጽህንኦም ከረጋግጹ ኣለዎም: ገለ ካባታቶምውን ይቕተሉ ይዀኑ። ኣብ መወዳእታ ግን ሕነ ናይቲ ብዓባይ ባቢሎንን በቶም ፖሊቲካውያን ውሽማታታን ዝፈሰሰ ንጹህ ደም ክፍደ ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ: እቶም ዝተንስኡ ብሰማያዊ ዕዮታት ትሑዛት ከም ዝዀኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ከይዓየዩ ኣራጢጦም ብምሕጓስ ዘይኰነስ: ንመዓልቲ ሕነ የሆዋ ብትዕግስቲ ብምጽባይ ኢዮም ዝዓርፉ። (ኢሳይያስ 34:8፣ ሮሜ 12:19) ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ረኣዩን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ተሪፉ ዘሎ እኩይ ዘርኢ ሰይጣን ፍርዲ ከውርደሉ ኸሎ ከም “ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን” መጠን ምስ ኣሰነይዎን ዕረፍቶም ክውዳእ ኢዩ።—ራእይ 2:26, 27፣ 17:14፣ ሮሜ 16:20

‘እቶም ዝሞቱ ቅድም ክትንስኡ ኢዮም’

13, 14. (ሀ) ብመሰረት እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ እቲ ሰማያዊ ትንሳኤ ዝጅምር መዓስ ኢዩ: እቶም ዝትንስኡኸ መን ኢዮም፧ (ለ) እቶም ክሳዕ መዓልቲ ጐይታ ብህይወቶም ዝጸንሑ ቅቡኣት ናብ ሰማይ ዝትንስኡሉ ግዜ መዓስ ኢዩ፧

13 እቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ተፈትሐ እተረኽበ ምርዳእ: ምስቲ ብዛዕባ ሰማያዊ ትንሳኤ ዝዛረብ ካልእ ጥቕስታት ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ኢዩ። ንኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም: እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና። ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ: እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ ኢዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዐል ኢና: ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና” ብምባል ጸሓፈ።—1 ተሰሎንቄ 4:15–17

14 ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን ኣየ ከመይ ዝበለ ልብኻ ዝትንክፍ ዛንታ ኢዩ ዘሎ! ነቶም ክሳዕ ህላዌኡ ዝጸንሑ: ማለት ነቶም ኣብ ግዜ ህላዌኡ ኣብ ምድሪ ብህይወቶም ዝጸንሑ ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ: እቶም ድሮ ሞይቶም ዝነበሩ ቀዲሞምዎም ናብ ሰማይ ክዓርጉ ኢዮም። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ብክርስቶስ ዝሞቱ ቅድም ክትንስኡ ኢዮም። የሱስ ክወርድ: ማለት ኣቓልብኡ ኣባታቶም ክገብር እሞ “ጻዕዳ ኽዳን” ብምሃብ ንመንፈሳዊ ህይወት ከተንስኦም ኢዩ። ድሕርዚ ድማ እቶም ብህይወቶም ዝጸንሑ ምድራዊ ጕያኦም ይውድኡ: ሓያለይ ካባታቶም ብጭከና ኣብ ኢድ ተጻረርቶም ይሞቱ። እንተዀነ ግን: ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ብሞት ደቂሶም ኣይጽበዩን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ምስ ሞቱ ብኡንብኡ: “ብቕጽበት ዓይኒ” ተለዊጦም ናብ ሰማይ ተላዒሎም ምስ የሱስን ምስቶም ኣካል ክርስቶስ ዝዀኑ ብጾቶምን ክዀኑ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 15:50-52፣ ምስ ራእይ 14:13 ኣረኣእዮ።) በዚ ኸምዚ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ትንሳኤ: እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ናይ መጽሓፍ ራእይ ምግላብ ደድሕሪ ምጅማሮም ቀልጢፉ ኢዩ ዝጅምር።

15. (ሀ) ምፍታሕ ናይቲ ሓምሻይ ማሕተም እንታይ ብስራት ኢዩ ዘምጽአ፧ (ለ) ምግላብ ናይቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ ዝዛዘም ብኸመይ ኢዩ፧

15 ምፍታሕ ሓምሻይ ማሕተም ናይቲ ጥቕላል ነቶም ክሳዕ ሞት እሙናት ብምዃን ዝሰዓሩ ቅቡኣት ሓለውቲ ንጽህና ዝምልከት ብስራት ይነግር። ንሰይጣንን ዘርኡን ግን ብስራት ኣይኰነን። ምግላብ ናይቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተቐመጠ ሰዓሪ ከይተዓግተ ኢዩ ዝቕጽል: ምስታ ‘በቲ እኩይ ተታሒዛ ዘላ’ ዓለም ብምጽብጻብ ከኣ ይዛዘም። (1 ዮሃንስ 5:19) እዚ ኸኣ እቲ ገንሸል ነቲ ሻድሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ክግለጽ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a መንነት ናይ ዓባይ ባቢሎን ኣብ ምዕራፍ 33 ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ።

b ምስቲ ኣብ ገጽ 1577 ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መመላእታ ጽሑፍ 5C: “ቶርቸር ስተይክ” ዝብል ኣረኣእዮ።

c ሃይማኖት ናይ ደም ገበን ከም ዘለዋ ዘረጋግጽ ኣብ ምዕራፍ 36 ብሰፊሕ ተገሊጹ ኣሎ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 102 ዘሎ ሳጹን]

‘እተሓርዱ ነፍሳት’

እታ ብማክሊንቶክ ስትሮንግ እተዳለወት ሳይክሎፐዲያ ነቲ ካብ ፍረንች ሁጎኖት ዝመጹ ፈረንሳውያን ወለዲ እተወልደ ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ጆን ጆርቱን እተባህለ እንግሊዛዊ ፕሮቴስታንት ጠቒሳ ክትዛረብ ከላ ከምዚ ትብል:- “ኣብቲ መስጐግቲ ዝጅምረሉ ኣብኡ ክርስትና ይውዳእ። . . . እዚ ኸኣ ኣብቲ ክርስትና ከም ቅቡል ሃይማኖት ናይቲ ሃጸይ [ሮሜ] ኰይኑ ድሕሪ ምቛሙ: ከምኡውን እቶም ኣገልገልቲ ሃብትን ክብረትን ድሕሪ ምርካቦም ኢዩ እቲ ዘሰንብድ መስጐግቲ ብርቱዕ ሓይሊ ብምርካብ እቲ ዘዕኑ ጽልዉኡ ኣብ ልዕሊ እታ ናይ ወንጌል ሃይማኖት ዘውረደ።”

[ኣብ ገጽ 103 ዘሎ ስእሊ]

“ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም”