ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ቐልጢፉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት

እቲ ቐልጢፉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት

ምዕራፍ 3

እቲ ቐልጢፉ ክኸውን ዘለዎ ነገራት

1. ካብቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እዛ ዓለም እዚኣ ዘምጽኦ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ብኸመይ ኢኻ ከተምልጥ እትኽእል፧

 ብዛዕባ እዚ ሎሚ ዘሎ ኵነታት ዓለም ኣጸቢቕካ እትግደስ ክትከውን ኣሎካ። ስለምንታይ ኢኻ እትግደስ፧ ምኽንያቱ እዛ ዓለም እዚኣ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ከተምልጥ ኣይትኽእልን ኢያ። ንስኻ ግን ከተምልጥ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኸኣ: ክፍሊ ናይዛ ንጥፍኣት ተመጥያ ዘላ ‘ዓለም ብዘይምዃንካ’ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እዚ ግን ጥብቂ ዝዀነ ናይ ባሕታዊ ኣነባብራ ምሓዝ ማለት ኣይኰነን። እዚ ጥዑይ: ትርጕም ዘለዎ ናብራ እናስተማቐርካ ካብ ፖሊቲካዊ ብልሽውና: ስሱዕ ንግዲ: ከምኡውን ንኣምላኽ ካብ ዘሕስር ሃይማኖትን ካብ ዓመጸኛን ዘይስነ-ምግባራዊ ጠባይን ርእስኻ ምፍላይ ማለት ኢዩ። ምስ እዚ ድማ ነቲ ንጠባይ ዝምልከት ልዑል ስርዓታት ኣምላኽ ክትስዕቦን ፍቓዱ ክትገብር ክትደልን ይግብኣካ። (ዮሃንስ 17:14-16፣ ጸፎንያስ 2:2, 3፣ ራእይ 21:8) እታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ራእይ: ኣብቲ ኣነባብራኻ ከከምቲ ዘድሊ ለውጢ እናገበርካ: ንገዛእ ርእስኻ ምስ እዚ ከተሰማምዓ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እተርኢ ኢያ።

2. ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ዓብዪ ትንቢት ናይ ራእይ ብኸመይ ኢዩ ከፊትዎ ዘሎ: ኣምላኽከ ነዚ ከቢድ መልእኽቲ እዚ ንመን ኢዩ ዝሃቦ፧

2 ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ዓብዪ ትንቢት እዚ በዚ ዝስዕብ ቃላት ይኸፍቶ:- “እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ: ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ: ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ።” (ራእይ 1:1ሀ) ስለዚ እምበኣር: እቲ ካብ ምዉታት ዝተንስኤ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ ነዚ ከቢድ መልእኽቲ ካብ ኣምላኽ እተቐበሎ። የሱስ ክፍሊ ናይ ምስጢራዊ ስላሴ ዘይኰነስ: ኣብዚ ነቦኡ ከም ዝግዛእ ኢዩ ተራእዩ ዘሎ። ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ: እቶም ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘቝሙ ‘ባሮት’ ንየሱስ ክርስቶስ ይግዝእዎ: ስለዚ ኸኣ ‘ናብ ዝኸዶ ዘበለ ይስዕብዎ።’ (ራእይ 14:4፣ ኤፌሶን 5:24) እንተዀነ ግን: ሎሚ ብሓቂ ‘ባሮት’ ኣምላኽ መን ኢዮም: መጽሓፍ ራእይኸ ብኸመይ ኢያ እትጠቕሞም፧

3. (ሀ) እቶም ንየሱስ ክርስቶስ ዝግዝኡ ‘ባሮት’ መን ኢዮም፧ (ለ) እዞም እሙናት ‘ባሮት’ እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ መልኣኽ ኰይኖም እንታይ ዕዮ ኢዮም ዝዓዩ ዘለዉ፧

3 እቲ ንመጽሓፍ ራእይ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ዮሃንስ: ንገዛእ ርእሱ ከምዚ ዝበለ ባርያ ገይሩ ኢዩ ዝገልጻ። ንሱ እቲ ናይ መወዳእታ ብህይወት ተሪፉ ዝነበረ ሃዋርያ: ከምኡውን ሓደ ካብቶም ኣብ ሰማይ ዘይሓልፍ ህይወት ክቕበሉ ዘለዎም ብመንፈስ እተቐብኡ ጕጅለ ‘ባሮት’ ኢዩ። ሎሚ ካብዚኣቶም ሒደት ኣሽሓት ጥራይ ኢዮም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ። ኣምላኽ ካልኦት ኣገልገልቲ እውን ኣለውዎ: እዚኣቶም ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝሓዘ ዓቢ ጭፍራ ኢዮም። እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ ናይ መላእኽቲ መሪሕነት ኰይኖም: ነቲ ዘለኣለማዊ ብስራት ንዅሎም ደቅሰብ ኣብ ምእዋጅ ምስቶም ቅቡኣት ‘ባሮት’ ይካፈሉ ኣለዉ። እቶም ናይ ምድሪ ትሑታት ድሕነት ንኽረኽቡ ምእንቲ ክሕግዝዎም ኣየ ከመይ ገይሮም ኢዮም ኵሎም እዞም ‘ባሮት’ እዚኣቶም ብምሉእ ሓይሎም ዝዓዩ ዘለዉ! (ማቴዎስ 24:14፣ ራእይ 7:9, 14፣ 14:6) ካብዚ ሕጕስ ዝገብር ብስራት ምእንቲ ክትጥቀም እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ መጽሓፍ ራእይ ትሕብር ኢያ።

4. (ሀ) ዮሃንስ ነዚ ራእይ እዚ ልዕሊ 1,900 ዓመታት ይገብር ካብ ዝጽሕፎ: ብኸመይ ኢዩ ብዛዕባ እቲ “ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ” ዝዛረብ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ ነገራት ሕጂ ዘሎ መርትዖታት እንታይ ኢዩ ዘርኢ፧

4 ይኹን እምበር: ዮሃንስ እዞም ‘ባሮት’ ኣዚኣቶም ነቲ “ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ:” ክርእዩ ኢዮም ክብል ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ እዘን ቃላት እዚኣተንከ ልዕሊ 1,900 ዓመታት ይገብር እተነግራዶ ኣይኰናን፧ ብኣረኣእያ የሆዋ: ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ከምዛ ‘ትማሊ ዝሓለፈት መዓልቲ’ ኢየን: ምስቲ ንምድሪ ንምፍጣርን ንመንበሪ ሰብ እትበቅዕ ገይሩ ከዳልዋን ዝወሰደሉ ክቝጸር ዘይክእል ዓመታት ኣወዳዲርካ ልዕሊ 1,900 ዓመታት ሓጺር እዋን ኢዩ። (መዝሙር 90:4) ሃዋርያ ጳውሎስ ዓስቡ ዝረኽበሉ ግዜ ብዘይውልውል ከም ዝቐረበ መሲሉ ይረኣዮ ስለ ዝነበረ: ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ‘ሃረርታን ተስፋን’ ጸሓፈ። (ፊልጲ 1:20) ይኹን እምበር ሎሚ: ኵሉ እቲ እተባህለ ነገራት ኣብቲ እተመደበሉ ግዜ ከም ዝፍጸም ዝገልጽ ብዙሕ መርትዖታት ኣሎ። ኣብ ታሪኽ: ድሕነት ደቅሰብ ከም ሎሚ ገይሩ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ እቲ መፍትሒ ዘለዎ!—ኢሳይያስ 45:21

ናይ ርክብ መትረብ

5. እቲ ራእይ: ናብ ሃዋርያ ዮሃንስ ቀጺሉ ኸኣ ናብተን ጉባኤታት እተመሓላለፈ ብኸመይ ኢዩ፧

5 ራእይ 1:1ለ, 2 ቀጺላ “ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን [የሱስ] ንባርያኡ ዮሃንስ [“ብምልክታት ገይሩ:” NW] [ነቲ ራእይ] ኣርኣዮ። ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስን: ነቲ ዝረአዮ ዘበለ ዅሉ መስኪሩ አሎ።” ስለዚ እምበኣር: ዮሃንስ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ መዝገብ ብሓደ መልእኽተኛ መልኣኽ ኣቢሉ ኢዩ ተቐቢልዎ። ኣብ ጥቕላል ጽሒፉ ድማ ነተን ኣብ ግዜኡ ዝነበራ ጉባኤታት ኣመሓላለፈለን። ንዓና ዘሐጕስ ድማ: ኣምላኽ ነዘን ዳርጋ 100,000 ዝዀና ጉባኤታት ናይቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሕቡራት ኣገልገልቱ ንምትብባዕ ኢሉ ነዚ ጽሑፍ እዚ ዓቂብዎ ኢዩ።

6. የሱስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ‘ባሮቱ’ ዝኸውን መግቢ ንምድላው ዝጥቀመሉ መትረብ ብኸመይ ገሊጽዎ ኣሎ፧

6 ኣብቲ ዮሃንስ ዝነበረሉ ግዜ ኣምላኽ ነቲ ራእይ ዘመሓላልፈሉ መትረብ ነይርዎ ኢዩ: ዮሃንስ ድማ ክፍሊ ናይቲ ምድራዊ መትረብ ኢዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ‘ባሮቱ’ መንፈሳዊ መግቢ ዝዕንግለሉ መትረብ ኣለዎ። ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዝሃቦ ዓብዪ ትንቢት: ነቲ ክፍሊ ናይቲ ምድራዊ መትረብ “እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ [“እሙንን ኣስተውዓልን:” NW] ባርያ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:3, 45-47) ነዚ ክፍሊ ዮሃንስ እዚ ኸኣ ትርጕም ናይዚ ትንቢት እዚ ኣብ ምፍታሕ ይጥቀመሉ ኣሎ።

7. (ሀ) እቲ ኣብ ራእይ ዘሎ ምልክታት ብኸመይ ኢዩ ክትንክፈና ዘለዎ፧ (ለ) ገለ ካብቶም ክፍሊ ዮሃንስ ኣብ ፍጸሜ ትርኢታት ራእይ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዮም እተኻፈሉ፧

7 ሃዋርያ ዮሃንስ: የሱስ ነቲ ራእይ “ብምልክታት” ወይ መለለይታት ከም ዘቕርቦ ይጽሕፍ። እዚኣቶም ንኽትምርምሮም ንጹራትን ዘሐጕሱን ኢዮም። ቅልጡፍ ንጥፈታት ዝገልጹ ኢዮም: እዚ ድማ ብግዲኡ: ነቲ ትንቢትን ትርጕሙን ንኻልኦት ንኸነካፍሎ ቅንኢ እተሓወሶ ጻዕሪ ንኽንገብር ከለዓዕለና ይግባእ። መጽሓፍ ራእይ ብዙሕ ዘለዓዕል ትርኢታት ተቕርበልና: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትርኢት ድማ ዮሃንስ ከም ተዋሳኢ ወይ ድማ ከም ተዓዛቢ ዀይኑ ተኻፊሉ ኣሎ። ገለ ካብቶም ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ምፍጻም እዞም ትርኢታት እዚኣቶም እተኻፈሉ ክፍሊ ዮሃንስ: ንኻልኦት ክገልጽዎ ምእንቲ ክኽእሉ መንፈስ ኣምላኽ ነቲ ትርጕም ስለ ዝፈትሖ ሕጕሳት ኢዮም።

8. (ሀ) ንነፍሲ ወከፍ ትርኢት ናይ መጽሓፍ ራእይ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) መንነት እቶም ኣብ ራእይ ዘለዉ ኣራዊት ንኽንርድኦ: ትንቢት ዳንኤል ብኸመይ ይሕግዘና፧

8 እዚ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ትርኢታት ከከምቲ ዝፍጸመሉ ተርታ ሒዙ ኣይኰነን ቀሪቡ ዘሎ። ነፍሲ ወከፍ ትርኢት ዝፍጸመሉ ናይ ገዛእ ርእሱ እዋን ኣለዎ። ሓያለይ ካብቲ ትርኢታት ከኣ ንቓላት ናይቲ ብጥንቲ እተዋህበ ትንቢታት ዘቃልሕ ኰይኑ: እዚ ድማ ብኸመይ ክትርጐሙ ከም ዘለዎም ኣመት ዝህብ ኢዩ። ንኣብነት: ትንቢት ዳንኤል ኣርባዕተ ዘፍርሁ ኣራዊት ብምግላጽ: እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ዝገዝኡ ሓይልታት ምዃኖም ይጠቅስ። ስለዚ ድማ: እቶም ኣብ ራእይ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣራዊት: ነዞም ሎሚ ዘለዉ እውን ሓዊስካ ንፖሊቲካውያን ኣካላት ከም ዘመልክቱ ክንርዳእ ይሕግዘና።—ዳንኤል 7:1-8, 17፣ ራእይ 13:2, 11-13፣ 17:3

9. (ሀ) ከም ዮሃንስ: እቶም ክፍሊ ዮሃንስ እንታይ ኣረኣእያ ኢዮም ዘንጸባርቑ፧ (ለ) ዮሃንስ ሕጕሳት እንዀነሉ መገዲ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧

9 ዮሃንስ ነቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝሃቦ መልእኽቲ ኣብ ምምስካር እሙን ኢዩ ነይሩ። “ነቲ ዝረአዮ ዘበለ ዅሉ” ብዝርዝር ገለጾ። እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ ትንቢት ምሉኡ ብምሉእ ክርድእዎን ነቲ ሰናይ ዝዀነ ትሕዝቶኡ ንህዝቢ ኣምላኽ ምእንቲ ኸፍልጡዎን ካብ ልቢ መሪሕነት ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ደልዮም ኢዮም። ዮሃንስ ምእንቲ ጥቕሚ ጉባኤ ናይቶም ቅቡኣት (ከምኡውን ምእንቲ እቶም ኣምላኽ ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዘድሕኖም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ዓብዪ ጭፍራ) ኢሉ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “እቲ ዘመን [“ምዱብ ግዜ:” NW] ቀረባ እዩ እሞ: እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን: ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም።”—ራእይ 1:3

10. ሓጐስ ምእንቲ ክንረክብ: ንራእይ ዝምልከት እንታይ ኢና ክንገብር ዝግባእ፧

10 መጽሓፍ ራእይ ብምንባብካን: ብዝያዳውን ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ብምሕላውካን ዓብዪ ጥቕሚ ክትረክብ ኢኻ። ዮሃንስ ኣብ ሓንቲ ካብተን ደብዳበታቱ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ: እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ: ንሳ እምነትና እያ።” (1 ዮሃንስ 5:3, 4 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ከምዚ ዝበለት እምነት ብምጥራይ ኣዚኻ ሕጕስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!

11. (ሀ) ንቓላት እቲ ትንቢት ክንሕሉ ህጹጽ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሕጂ ሓደገኛ ብዝዀነ መገዲ ቀሪቡ ክኸውን ዘለዎ ግዜ ኣየናይ ኢዩ፧

11 ‘እቲ እተመደበ ግዜ ቀሪቡ’ ስለ ዝዀነ ንቓላት እዚ ትንቢት እዚ ክንሕልዎ ህጹጽ ኢዩ። ንምንታይ እተመደበ ግዜ፧ ነቲ ፍርድታት ኣምላኽ ሓዊስካ: እቲ ናይ ራእይ ትንቢታት ዝፍጸመሉ ግዜ ኢዩ። ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣገባብ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዘውርድሉ ግዜ ቀሪቡ ኢዩ። የሱስ ኣብዛ ምድሪ ኸሎ ብዛዕባ እታ ‘መዓልትን ሰዓትን’ ኣቦኡ ጥራይ ከም ዝፈልጣ ገለጸ። ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜና ኣብ ምድሪ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ሽግራት ኣቐዲሙ ብምርኣይ የሱስ ‘እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ ኣይሓልፍን ኢዩ’ በለ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ናይ ኣምላኽ ውሳነ ዝፍጸመሉ ምዱብ ግዜ ሓደገኛ ብዝዀነ መገዲ ቀሪቡ ክኸውን ኣለዎ። (ማርቆስ 13:8, 30-32) ከምቲ ኣንባቆም 2:3 ዝብሎ ኢዩ:- “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ: ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ: ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ።” ካብቲ ዓቢ ጸበባ ምድሓንና ነቲ ትንቢታዊ ቃል ኣምላኽ ኣብ ምሕላው እተመርኰሰ ኢዩ።—ማቴዎስ 24:20-22

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን]

መጽሓፍ ራእይ ንኽንርድኣ ዘድልዩና ነገራት

ሓገዝ መንፈስ የሆዋ ምቕባል

መዓልቲ ጐይታ መዓስ ከም ዝጀመረት ምርዳእ

● ነቲ ሎሚ ዘሎ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኣፍልጦ ምሃብ