ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ቐዳማይ ወዮ—ኣንበጣ

እቲ ቐዳማይ ወዮ—ኣንበጣ

ምዕራፍ 22

እቲ ቐዳማይ ወዮ—ኣንበጣ

1. እቶም መላእኽቲ ነቲ መለኸት ክነፍሑ ከለዉ መን ኢዩ ዝስዕቦም: ምንፋሕ ናይቲ ሓምሻይ መለኸት እንታይ ኢዩ ዝእውጅ፧

 እቲ ሓምሻይ መልኣኽ መለኸቱ ክነፍሕ ይቕረብ። ድሮ ኣርባዕተ ናይ ሰማይ መለኸታት ተሰሚዑ: ኣርባዕተ መዓታት ከኣ ናብ ሲሶ ምድሪ ናይ ህዝበ-ክርስትያን: እታ የሆዋ ዝያዳ ተወቃሲት ገይሩ ዝርእያ ወሪዱ ኢዩ። እቲ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕሙም ኵነታታ ተቓሊዑ ኢዩ። መላእኽቲ ነቲ መለኸት ክነፍሑ ከለዉ: ኣብ ምድሪ ኸኣ ሰባት ዝገብርዎ ምእዋጅ ይስዕብ። ሕጂ እቲ ሓምሻይ መለኸት ዘለዎ መልኣኽ ነቲ ካብ ቅድሚ ሕጂ ኣጸቢቑ ዘፍርሕ ናይ መጀመርታ ወዮ ንምእዋጅ ይዳሎ ኣሎ። እዚ ምስ ዘርዕድ ናይ ኣንበጣ መዓት እተተሓሓዘ ኢዩ። ኣቐዲምና ግን እዚ መዓት እዚ ከመይ ዝበለ ትርጕም ከም ዘለዎ ከረድኣና ዝኽእል ካልእ ጥቕስታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እስከ ንመርምር።

2. ምስቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ኣንበጣ ዝመሳሰል መዓት ናይ ኣንበጣ ዝገልጽ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ ኢዩ: ኣብ ጥንታዊት እስራኤልከ ሳዕቤኑ እንታይ ነበረ፧

2 እታ ኣብ ታሽዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት ትንቢት ዮኤል ምስቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ዝመሳሰል መዓት ናይ ሓሳኹ: ኣንበጣውን ሓዊስካ: ትገልጽ። (ዮኤል 2:1-11, 25) a ነታ ከሓዲት እስራኤል ብዙሕ ጭንቀት ከስዕብ ከሎ: ንኣይሁድ በብውልቂ ግን ተናሲሖም ናብ ስምረት የሆዋ ክኣትዉ ዘኽእል ኢዩ ነይሩ። (ዮኤል 2:6, 12-14) እታ መዓልቲ እቲኣ ምስ መጸት ድማ: ኣምላኽ መንፈሱ “ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ” ክኽዑ ኢዩ: እታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት” ከላ ዘፍርህ ምልክትን ዘሰምብድ ነገራትን ክርአ ኢዩ።—ዮኤል 2:11, 28-32

ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝወረደ መዓት

3, 4. (ሀ) ናይ ዮኤል ምዕራፍ 2 መፈጸምታ መዓስ ነበረ: ብኸመይከ፧ (ለ) ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ከም ናይ ዕስለ ኣንበጣ ዝበለ መዓት ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ: እቲ መዓትከ ንኽንደይ ቀጸለ፧

3 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ናይ ዮኤል ምዕራፍ 2 መፈጸምታ ነበረ። ብጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት መንፈስ ቅዱስ ብምፍሳስ ምስ ተቐብኡ “እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ብብዙሕ ቋንቋታት ንኽዛረቡ ሓይሊ ሃቦም። ናይዚ ውጽኢት ከኣ ብዙሓት ሰባት ተኣከቡ። ሽዑ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ደንጺዎም ዝነበረ ተዓዘብቲ ዮኤል 2:28, 29 ጠቐሰሎም: ፍጻሜኡ ይርእዩ ከም ዝነበሩ ኸኣ ገለጸሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-21) ሽዑ ቃል ብቓሉ ንገሊኦም ዘጨንቕ ንገሊኦም ድማ ናብ ነስሓ ዝመርሕ ናይ ሓሳኹ መዓት ወሪዱ ዝብል ጸብጻብ ግን የልቦን።

4 ኣብቲ መዓልትታት እቲ ምሳልያዊ መዓት ነይሩዶ ኢዩ፧ እወ: ከመይ ደኣ! እዚ ኸኣ በቲ ዘይሕለል ስብከት ናይቶም ሓደስቲ እተቐብኡ ክርስትያናት ዝመጸ ኢዩ። b ብኣታቶም ገይሩ የሆዋ ነቶም ሰሚዖም ዝናስሑ ከምኡውን ነቲ ካብኡ ዝርከብ በረኸታት ዘስተማቕሩ ኣይሁድ ዓዲምዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:38-40፣ 3:19) እቶም ምላሽ ዝሃቡ ውልቀ-ሰባት ሓለፍ ብዝበለ ደረጃ ስምረቱ ረኺቦም ኢዮም። ነቲ ዕድመ ንዝነጸግዎ ግን: እቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናት ልክዕ ከም ዘብርስ ዕስለ ኣንበጣ ኢዮም ኰይኖምዎም። ካብ የሩሳሌም ጀሚሮም ብይሁዳን ሰማርያን ኣቢሎም ተዘርግሑ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትንሳኤ የሱስ ምስ ኵሉ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ብምስባኽ: ነቶም ዘይኣምኑ ኣይሁድ እናኣሳቐዩ ቀልጢፎም ኣብ ኵሉ ቦታታት በጽሑ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 4:18-20፣ 5:17-21, 28, 29, 40-42፣ 17:5, 6፣ 21:27-30) እቲ መዓት እቲ ድማ ክሳዕ እታ የሆዋ ንየሩሳሌም ምእንቲ ከጥፍእዋ ኢሉ ሰራዊት ሮሜ ኣንጻራ ዘለዓዓሎም ‘እተፍርህ መዓልቲ’ ናይ 70 ከ.ኣ.ዘ. ቐጸለ። እቶም ብእምነት ንስም የሆዋ ዝጸውዑ ክርስትያናት ጥራይ ኢዮም ዝደሓኑ።—ዮኤል 2:32፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:20, 21፣ ምሳሌ 18:10

ሎሚ ዘሎ ናይ ኣንበጣ መዓት

5. ካብ 1919 ኣትሒዙ ናይ ዮኤል ትንቢት ብኸመይ መፈጸምታ ረኸበ፧

5 ናይ መወዳእታ ፍጻሜ ናይ ትንቢት ዮኤል ኣብዚ ግዜ መጨረሽታ ክኸውን ክንጽበ ምኽንያታዊ ኢዩ። ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ሓቂ ምዃኑ ዘመስከረ! ኣብቲ ካብ 1-8 መስከረም 1919 ኣብ ሰዳር ፖይንት ኦሃዮ ሕ.መ.ኣ. ብተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ: ህዝቡ ንዓለምለኻዊ ወፈራ ናይ ስብከት ክለዓዓሉ መንፈስ የሆዋ ከም ዝወረዶም ርኡይ ኢዩ ነይሩ። ካብ ኵሎም እቶም ክርስትያን ኢና በሃልቲ ንሳቶም በይኖም ኢዮም የሱስ ከም ሰማያዊ ንጉስ ምሻሙ ኣፍልጦ ብምሃብ ነዚ ብስራት እዚ ክሳዕ ርሑቕ ዘብጽሑ። እቲ መፈጸምታ ትንቢት ዝዀነ ዘይሕለል ምስክርነቶም ከኣ ነታ ከሓዲት ህዝበ-ክርስትያን ዘሳቒ መዓት ኰና።—ማቴዎስ 24:3-8, 14፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8

6. (ሀ) እቲ ሓምሻይ መልኣኽ መለኸቱ ምስ ነፍሐ ዮሃንስ እንታይ ረኣየ፧ (ለ) እዚ “ኰዀብ” ንመን ይምሰል: ስለምንታይከ፧

6 እታ 26 ዓመት ድሕሪ ጥፍኣት የሩሳሌም እተጻሕፈት መጽሓፍ ራእይ እውን ነዚ መዓት እዚ ትገልጾ ኢያ። ራእይ ነቲ ናይ ዮኤል መግለጺ እንታይ ትውስኸሉ፧ እስከ ነቲ ጸብጻብ ከምቲ ዮሃንስ ዘቕረቦ ገይርና ንርኣዮ:- “እቲ ሓምሳይ መልኣኽ ድማ መለኸት ነፍሔ: ኰዀብ ከኣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኺወድቕ ከሎ [“ዝወደቐ:” NW] ርኤኹ: መርሖ ዓሚቝ ዔላውን ተዋህቦ።” (ራእይ 9:1) እዚ ካብቲ ዮሃንስ ክወድቕ ከሎ ዝረኣዮ ኣብ ራእይ 8:10 ተጠቒሱ ዘሎ “ኰዀብ” ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ዮሃንስ ሕጂ ንምድሪ ዝምልከት ዕዮ ዘለዎ ሓደ ‘ኰዀብ ካብ ሰማይ ወዲቑ’ ረኣየ። እዝስ መንፈሳዊ ኣካል ድዩ ወይስ ስጋዊ ኣካል፧ እዚ ‘መርሖ መዓሙቝ’ ዝሓዘ ጸኒሑ ንሰይጣን ናብ “መዓሙቝ” ከም ዝድርብዮ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 20:1-3) ስለዚ ሓደ ብርቱዕ መንፈሳዊ ኣካል ክኸውን ኣለዎ። ዮሃንስ ኣብ ራእይ 9:11 እቲ ኣንበጣ “ንጉስ አለዎ: ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ ኢዩ” ይብለና። እቲ መርሖ መዓሙቝ ዝሓዘ መልኣኽ ንርእሱ እቲ መልኣኽ መዓሙቝ ስለ ዝዀነ: ክልቲአን ጥቕስታት ንሓደ ውልቀ-ሰብ ዘመልክታ ክዀና ኣለወን። እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነቲ ሓደ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኣፍልጦ ስለ ዝህቡ ኸኣ: እቲ ኰዀብ ነቲ ብየሆዋ እተሾመ ንጉስ ከመልክት ኣለዎ።—ቈሎሴ 1:13፣ 1 ቈረንቶስ 15:25

7. (ሀ) እቲ “ዓሚቝ ዔላ” ምስ ተኸፍተ እንታይ ኰነ፧ (ለ) “መዓሙቝ” እንታይ ኢዩ: ንሓጺር ግዜ ኣብኡ ዝጸንሐኸ መን ኢዩ፧

7 እቲ ጸብጻብ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል:- “ነቲ ዓሚቝ ዔላ ድማ ከፈቶ። ካብቲ ዔላ ኸኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዚመስል ትኪ ወጸ። ብትኪ እቲ ዔላ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተ። ካብቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጸ: ከምቲ ንዕንቅርቢታት ኣብ ምድሪ ስልጣን ዘለወን ከኣ: ስልጣን ተዋህቦ።” (ራእይ 9:2, 3) ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት “መዓሙቝ” ቦታ ስቕታ: አረ ቦታ ናይ ሞት እውን ከይተረፈ ኢዩ። (ምስ ሮሜ 10:7፣ ራእይ 17:8፣ 20:1, 3 ኣረኣእዮ።) ኣብ መወዳእታ ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም (1918-1919) እቶም ሒደት ጕጅለ ኣሕዋት የሱስ ንሕጽር ዝበለ ግዜ ኣብ ከምዚ ዝበለ “መዓሙቝ” ናይ ተዛማዲ ስቕታ ኣትዮም ነበሩ። ብ1919 የሆዋ ኣብቶም እተናስሑ ኣገልገልቱ መንፈሱ ምስ ከዓወ ግን: ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ናይቲ ዕዮ ብድሆ ክጋጠምዎ ወሓዙ።

8. ምውጻእ ናይቲ ኣንበጣ ብብዙሕ “ትኪ” ዝስነ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

8 ከምቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ምውጻእ ናይቲ ኣንበጣ ‘ብትኪ ዓብዪ እቶን’ ዝመስል ብዙሕ ትኪ እተሰነየ ኢዩ። c ብ1919 ከኣ ከምኡ ኢዩ ዝዀነ። እቲ ኵነታት ንህዝበ-ክርስትያንን ንዓለም ብሓፈሻን ጸልማት ኰነ። (ምስ ዮኤል 2:30, 31 ኣረኣእዮ።) ናጻ ምውጻእ ናይቲ ብኣንበጣ እተመሰለ ክፍሊ ዮሃንስ ስዕረት ናይቶም ንዕዮ ናይታ መንግስቲ ፈጺሞም ክቐትልዎ ተተናዅሎምን ውዲት ገይሮምን ዝነበሩ ሕጂ ኸኣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝነጸጉ ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኢዩ ነይሩ። እቲ ዕስለ ኣንበጣ መለኮታዊ ስልጣን ምስ ተዋህቦን ነቲ ስልጣኑ ኸኣ ብርቱዕ ናይ ፍርዲ መልእኽትታት ንምእዋጅ ምስ ተጠቐመሉን ከም ትኪ ዝበለ ጣቓ ኣብ ልዕሊ እታ ከሓዲት ህዝበ-ክርስትያን ክዝርጋሕ ጀመረ። ናይ ህዝበ-ክርስትያን ‘ጸሓይ’—እቲ ብርሃን ዘለዎ ዝመስል ኵነታት—ተጐልበበ: ናይዛ ዓለም እዚኣ “ሓለቓ ስልጣን ኣየር” እቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣምላኽ ምዃኑ ብምግላጽ ከኣ እቲ ‘ኣየር’ ብኣዋጅ ናይ መለኮታዊ ፍርዲ ጸዓቐ።—ኤፌሶን 2:2፣ ዮሃንስ 12:31፣ 1 ዮሃንስ 5:19

እቶም ዘሳቕዩ ኣንበጣ

9. እቶም ኣንበጣ እንታይ ናይ ውግእ መምርሒታት ኢዮም እተቐበሉ፧

9 እቶም ኣንበጣ እንታይ ናይ ውግእ መምርሒታት ኢዮም እተቐበሉ፧ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ይህብ:- “ንእኡውን: ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዜብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር: ኣብ ምድሪ ንዘሎስ: ንሳዕሪ: ወይስ ለምለም ንዘበለ: ወይስ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም: ተባህለሉ። ሓሙሽተ ወርሒ ደኣ: ኺሳቕዮም እምበር: ከይቀትሎምውን ተዋህቦ። እቲ ስቓዮም ከም ስቓይ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ ከላ እዩ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም: ሙማትውን ኪምነዩ እዮም: እቲ ሞት ግና ካባታቶም ኪሀድም እዩ።”—ራእይ 9:4-6

10. (ሀ) እቲ መዓት ብመጀመርታ ኣንጻር መን ኢዩ ዝወርድ: እንታይከ የስዕበሎም፧ (ለ) እንታይ ዓይነት ስቅያት ዘጠቓለለ ኢዩ፧ (እግረ-ጽሑፍ እውን ርአ።)

10 እዚ መዓት እዚ ቅድም ኣብቶም ህዝቢ ወይ ከኣ ኣብቶም ከም ‘ናይ ምድሪ ኣእዋምን ለምለም ሳዕርን’ ዝዀኑ ኣብ ማእከሎም ዘለዉ ምርኡያት ከም ዘይመጸ ኣስተብህል። (ምስ ራእይ 8:7 ኣረኣእዮ።) እቲ ኣንበጣ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዘይብሎም: ነቶም ሕቱማት ኢና ዝብሉ ግብሮም ግን ሓሰውቲ ምዃኖም ዘረጋግጽ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ ጥራይ ኢዩ ዝጐድእ። (ኤፌሶን 1:13, 14) እዚ ዘሳቒ መልእኽትታት ናይዞም ዘመናውያን ኣንበጣ እምበኣር መጀመርታ ኣንጻር መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኢዩ ተነጊሩ። እዞም ንርእሶም ኣልዒሎም ዝርእዩ ሰባት: ነቶም መጓሰኦም ንሰማይ ካብ ምምራሕ ምስናፎም ጥራይ ዘይኰነስ ንርእሶምውን ከም ዘይኣትዉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክእወጅ ክሰምዕዎ ከለዉስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ተሳቕዮም ክዀኑ ዝኽእሉ! d ብሓቂ ‘ዕዉር ንዕዉር ምምራሕ’ ኢዩ ዀይኑ!—ማቴዎስ 15:14

11. (ሀ) እቶም ኣንበጣ ንጸላእቲ ኣምላኽ ከሳቕይዎም ስልጣን እተዋህቦም ንኽንደይ ግዜ ኢዩ: እዝኸ ብሓቂ ሓጺር ግዜ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ስቓይ ክሳዕ ክንደይ ብርቱዕ ኢዩ፧

11 እቲ ስቓይ ከኣ ንሓሙሽተ ወርሒ ኢዩ ዝጸንሕ። እዝስ ብተዛማዲ ሓጺር ግዜ ድዩ፧ ቃል ብቓሉ ኣንበጣ ከም ዝዀነ ገይርካ እንተ ተወሲዱ ኣይሓጺርን ኢዩ። ሓሙሽተ ወርሒ ተራ ንውሓት ህይወት ናይ ሓደ ካብዞም ሓሳኹ እዚኣቶም ኢዩ። ስለዚ እዞም ዘመናውያን ኣንበጣ ንጸላእቲ ኣምላኽ ምንካስ ዝቕጽሉ ብህይወቶም ክሳዕ ዘለዉ ኢዮም። ብተወሳኺውን እቲ ስቓይ ኣዝዩ ብርቱዕ ብምዃኑ ሰባት ክሞቱ ክደልዩ ኢዮም። ሓቂ ኢዩ እቶም ብኣንበጣ እተነኽሱ ህይወቶም ከሕልፉ ከም ዝሃቀኑ ዝነግር ጸብጻብ የብልናን። እዚ መግለጺ እዚ ግን: ከም ብምሕረት ዘይብለን ዕንቅርቢት ምንካስ እቲ ስቅያት ከቢድ ከም ዝዀነ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ከምቲ ኤርምያስ ኣቐዲሙ እተነበዮ ናይቶም ብባቢሎናውያን ወረርቲ ክብተኑ ዝነበሮም እሞ ሞት ዝብህጉ ዘይእሙናት እስራኤላውያን ዝመስል ስቓይ ኢዩ።—ኤርምያስ 8:3፣ ከምኡውን መክብብ 4:2, 3 ርአ።

12. እቶም ኣንበጣ ንሃይማኖታውያን መራሕቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ብመንፈሳዊ መዳይ ከሳቕይዎም እምበር ክቐትልዎም ዘይተፈቕደ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 ነዚኣቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ምስቓይ እምበር ምቕታል ዘይተፈቕደ ስለምንታይ ኢዩ፧ እዚ: ንናይ ህዝበ-ክርስትያን ሓሶትን ፍሽለታን ኣብ ምቅላዕ ናይ መጀመርታ ወዮ ኢዩ፣ ድሕር ኢሉ መዓልቲ ጐይታ እናቐጸለ ብዝኸደ መጠን ግን እቲ ሞት ዝመስል መንፈሳዊ ኵነታታ ምሉእ ብምሉእ ክፍለጥ ኢዩ። ኣብ ካልኣይ ወዮ ኸኣ ኢዮም ሲሶ ሰባት ዝሞቱ።—ራእይ 1:10፣ 9:12, 18፣ 11:14

ንውግእ እተዳለዉ ኣንበጣ

13. መልክዕ ናይቶም ኣንበጣ እንታይ ኢዩ ዝመስል፧

13 እዞም ኣንበጣስ ኣየ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መልክዕ ኰን ኢዩ ዘለዎም! ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል: ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል አለዎ: ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ። ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ አለዎ: ኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ። ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ኸኣ አለዎ: ደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት: ናብ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ።”—ራእይ 9:7-9

14. እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም ኣንበጣ ዝሃቦ መግለጺ ነቶም ብ1919 እንደገና ህያዋን ዝዀኑ ክርስትያናት ዝሰማማዕ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 እዚ ነቶም ብ1919 እንደገና ህያዋን ዝዀኑ እሙናት ጕጅለ ጸቡቕ ገይሩ ይገልጾም ኢዩ። ከም ኣፍራስ ንውግእ እተዳለዉ: ከምቲ ብሃዋርያ ጳውሎስ እተገልጸ መገዲ ገይሮም ንሓቂ ክዋግኡላ ህንጡያት ኢዮም ነይሮም። (ኤፌሶን 6:11-13፣ 2 ቈረንቶስ 10:4) ዮሃንስ ኣብ ርእሶም ኣኽሊላት ወርቂ ዝመስል ረኣየ። ገና ኣብ ምድሪ ከለዉ ክገዝኡ ስለ ዘይጅምሩስ ናይ ሓቂ ኣኽሊላት ክደፍኡ ግቡእ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 4:8፣ ራእይ 20:4) ብ1919 ግን ድሮ ንጉሳዊ ትርኢት ለቢሶም ነበሩ። ኣሕዋት እቲ ንጉስ ኢዮም: ክሳዕ መወዳእታ እሙናት ኰይኖም እንተድኣ ቀጺሎም ከኣ ሰማያዊ ኣኽሊላቶም ተቐሚጡሎም ኢዩ ነይሩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:8፣ 1 ጴጥሮስ 5:4

15. እቲ ናይቶም ኣንበጣ (ሀ) ድርዒ ሓጺን ምልባስ እንታይ የመልክት፧ (ለ) ናይ ሰብ ዝመስል ገጽ ምህላው እንታይ የመልክት፧ (ሐ) ከም ናይ ኣንስቲ ጸጕሪ ምህላው እንታይ የመልክት፧ (መ) ከም ኣስናን ኣናብስ ምህላው እንታይ የመልክት፧ (ረ) ብርቱዕ ድምጺ ምግባር እንታይ የመልክት፧

15 ኣብቲ ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድርዒ ሓጺን ለቢሱ ይርአ: እዚ ኸኣ ዘይበላሾ ናይ ጽድቂ ኣቕዋም ከም ዘለዎም የመልክት። (ኤፌሶን 6:14-18) ናይ ሰብ ገጽ እውን ኣለዎ: እዚ ናይ ፍቕሪ ባህሪ ኢዩ ዘመልክት: ምኽንያቱ ሰብ ብምስሊ እቲ ፍቕሪ ዝዀነ ኣምላኽ ኢዩ ተፈጢሩ። (ዘፍጥረት 1:26፣ 1 ዮሃንስ 4:16) ጸጕሮም ከም ናይ ኣንስቲ ይመስል: እዚውን ነቲ መልኣኽ መዓሙቝ ዝዀነ ንጉሶም ዘለዎም ተገዛእነት ብልክዕ ዘመልክት ኢዩ። ኣስናኖም ከኣ ከም ኣስናን ኣናብስ ኢዩ ዝመስል። ኣንበሳ ኣስናኑ ስጋ ንምምንጫት ይጥቀመሉ። እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ካብ 1919 ኣትሒዞም እንደገና ዕጹም መንፈሳዊ መግቢ: ብሕልፊ እኳ ሓቅታት ናይታ በቲ “ካብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” የሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ ክምገቡ ጀመሩ። ልክዕ ከምቲ ኣንበሳ ትብዓት ዘመልክት: ነዚ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝዀነ መልእኽቲ እዚ ንምሕቃቕ: ብጽሑፋት ንምቕራብ: ከምኡውን ኣብ ብዘላ ምድሪ ንምዝርጋሕ ዓቢ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። እዞም ምሳልያውያን ኣንበጣ “ከም ደሃይ ሰረገላታት: ናብ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ” ዝጥዕም ብርቱዕ ድምጺ ገበሩ። ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብነት ድሕሪ ምርኣዮም: ስቕ ክብሉ ፈጺሞም ኣይሓስብዎን ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 11:7-15፣ ራእይ 5:5

16. እቲ ኣንበጣ “ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን መንከስትን” ምህላዉስ እንታይ ማለት ኢዩ፧

16 እዚ ስብከት እዚ ብቓል ካብ ምዝራብ ንላዕሊ የጠቓልል! “ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን ሕንዝን [“መንከስትን:” NW] አለዎ: ንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን አለዎ።” (ራእይ 9:10) እዚ እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ክፍጽሙ ኸለዉ: ብቓልን ብጽሑፋትን ገይሮም ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ዚእመን ሓሳባት ይህቡ። ብዛዕባ እታ ቐሪባ ዘላ መዓልቲ ሕነ የሆዋ የጠንቅቑ ስለ ዝዀኑ ኸኣ መልእኽቶም ከም ናይ ዕንቅርቢት ዝመስል መንከስቲ ኣለዎ። (ኢሳይያስ 61:2) እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ናይ መንፈሳዊ ኣንበጣ ከይሓለፈ ኸሎ: እቲ ብመለኮታዊ መገዲ ፍርድታት የሆዋ ንምእዋጅ እተዋህቦ ዕዮ—ነቶም ንኣምላኽ ዝጻረፉ ተረርቲ ክሳድ ብዝጐድእ መገዲ—ክውዳእ ኢዩ።

17. (ሀ) ኣብቲ ብ1919 እትገብረ ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ኣኼባ ነቲ ናይ ምስክርነቶም መንከስቲ ዘበርትዕ እንታይ ተኣወጀ፧ (ለ) ኣቕሽሽቲ ብኸመይ ተሳቐዩ: ነዚ መልሲ ንምሃብከ እንታይ ገበሩ፧

17 እቲ ጕጅለ ኣንበጣ ኣብቲ ብ1919 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ እቲ ወርቃዊ መዋእል ዝብሃል መጽሔት ምስ ወጸ ብዙሕ ተሓጐሰ። ነቲ ናይ ምስክርነቶም መንከስቲ ከበርትዕ ተባሂሉ ኣብ ክልተ ቕነ ዝሕተም መጽሔት ኢዩ ነይሩ። e ኣብቲ ናይ 29 መስከረም 1920 ቍጽሪ 27 ሕታም: ነቲ ኣቕሽሽቲ ንተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንምስጓግ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ 1918-1919 ዝገበርዎ ምትላል ኣቃልዐ። ወርቃዊ መዋእል ኣብ 1920ታትን 1930ታትን ኣቕሽሽቲ ኢዶም ኣብ ፖለቲካ ብጕርሒ ምእታዎም: ብሕልፊ ኸኣ ናይ ካቶሊክ ስርዓት ምስ ናይ ፋሽስትን ናዝን ውልቀ-መለኽቲ ስምምዕ ከም ዝገበረ ዘቃልዕ ተናኻሲ ዓንቀጻትን ካርቱናትን ብምውጻእ ኣሳቐዮም። ምላሽ ናይዚ ኸኣ ኣቕሽሽቲ ‘ብሕጊ ተንኰል መሃዙ’ እሞ ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ እምባጋሮ ኣልዓሉ።—መዝሙር 94:20 ኪነግ ጀምስ ቨርሽን።

ምልክታ ንናይ ዓለም ገዛእቲ

18. እቶም ኣንበጣ እንታይ ዝፍጸም ዕዮ ኢዩ ዘለዎም: ምንፋሕ ናይቲ ሓምሻይ መለኸት እንታይ መልሲ ተዋህቦ፧

18 እዚ ዘመናዊ ኣንበጣ እዚ ዝፍጽሞ ዕዮ ኣለዎ። ብስራት መንግስቲ ክስበኽ ኣለዎ። ጌጋታት ክቃላዕ ኣለዎ። ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ክርከባ ኣለወን። እቶም ኣንበጣ ነዚ ዕዮዚ ክገብሩ ኸለዉ ዓለም ነቲ ምልክታ ከተስተብህለሉ ተገደደት። እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ንምንፋሕ መለኸት ናይቶም መላእኽቲ ብምእዛዝ: ህዝበ-ክርስትያን ናይ የሆዋ ናይ ጥፍኣት ፍርድታት ዝግብኣ ከም ዝዀነ ምቅላዕ ቀጸለ። ነቲ ሓምሻይ መለኸት መልሲ ብምሃብ ሓደ ፍሉይ መዳይ ናይዚ ፍርድታት እዚ ኣብቲ ብ25-31 ግንቦት 1926 ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ብተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ጐልሐ። እዚ ኣኼባ እዚ “ምስክርነት ንገዛእቲ ዓለም” ዝብል ውሳነ: ከምኡውን ኣብቲ ሮያል ኣልበርት እተባህለ ኣደራሽ “ስለምንታይ ሓይልታት ዓለም ሰንከልከል ይብሉ ከም ዘለዉን ፈውሱን” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ህዝባዊ ዝርርብ ኣጕልሐ። ንጽባሒቱ ድማ ናይ ክልቲኡ ኣርእስትታት ምሉእ ተሕዝቶ ኣብቲ ፍሉጥ ናይ ለንደን ጋዜጣ ተሓቲሙ ወጸ። ጸኒሑ ኸኣ እቲ ጕጅለ ኣንበጣ ነቶም ኣቕሽሽቲ ብሓቂ መሳቐዪ ዝዀነ 50 ሚልዮን ቅዳሓት ናይቲ ውሳነ ብትራክት ገይሩ ኣብ መላእ ዓለም ዓደለ! ዓመታት ጸኒሑ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እዚ ዝናኸስ ምቅላዕ እዚ ተዛሪቦም ኢዮም።

19. እዚ ምሳልያዊ ኣንበጣ እዚ እንታይ ንመዋግኢ ዝዀኖ ተወሳኺ መሳርሒ ኢዩ እተቐበለ: ብዛዕባ እቲ ናይ ለንደን ኣዋጅከ እንታይ በለ፧

19 ኣብዚ ዓቢ ኣኼባ እዚ እቲ ምሳልያዊ ኣንበጣ ንመዋግኢ ዝዀኖ ተወሳኺ መሳርሒ: ሓንቲ ደሊቨራንስ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተቐበለ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ሰማያዊት መንግስቲ ክርስቶስ ማለት መንግስቲ ናይቲ ‘ወዲ ተባዕታይ’ ብ1914 ከም እተወልደት ዘረጋግጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መግለጺ ዝሓዘት ነበረት። (ማቴዎስ 24:3-14፣ ራእይ 12:1-10) ብድሕርዚ ነቲ ኣብ ለንደን ብ1917 እተሓትመ በቶም “ኣብ ዓለም ዝዓበዩ ሰበኽቲ” ተባሂሎም እተገልጹ ሾሞንተ ኣቕሽሽቲ ኸኣ እተፈረመ ኣዋጅ ትጠቅስ። ነቶም ቀንዲ ናይ ፕሮተስታንት ሃይማኖታት—ባብቲስት: ኮንግሪገሽናል: ፕረዝቢተርያን: ኤፒስኮፐሊያን: ከምኡውን መቶዲስት—ዝውክሉ ኢዮም ነይሮም። እዚ ኣዋጅ እዚ “እቲ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ኣጋ መወዳእታ ዘበናት ኣህዛብ ዘመልክት ኢዩ:” ስለዚ ኸኣ “ምግላጽ ጐይታ ኣብ ዝዀነ እዋን ክኸውን ትጽቢት ክግበረሉ ይከኣል ኢዩ” ዝብል ነበረ። እወ: እቶም ኣቕሽሽቲ እቲኣቶም ምልክት ህላዌ የሱስ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ነይሮም ኢዮም! ብዛዕብኡ ገለ ነገር ክገብሩ ግን ድሌት ነይርዎም ድዩ፧ እታ ደሊቨራንስ እትብሃል መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትነግረና:- “እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ክፍሊ ናይዚ ጕዳይ እዚ: እቶም ነቲ ኣዋጅ ዝፈረምዎ ሰባት ባዕሎም ጸኒሖም ምኽሓዶም: ከምኡውን ነቲ ኣብ መወዳእታ ዓለምን ኣብ ካልኣይ ህላወ ናይ ጐይታን ከም ዘለና ዘረጋግጽ መርትዖ ምንጻጎም ኢዩ።”

20. (ሀ) ነቲ ጕጅለ ኣንበጣን ንጉሶምን ብዝምልከት ኣቕሽሽቲ እንታይ ምርጫ ኢዮም ገይሮም፧ (ለ) ዮሃንስ ኣብ ልዕሊ እቲ ጕጅለ ኣንበጣ መን ኣሎ ኢዩ ዝበለ: ስሙኸ መን ኢዩ፧

20 ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ክንዲ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ዝእውጁ ምስ ናይ ሰይጣን ዓለም ክዀኑ መረጹ። ምስቲ ጕጅለ ኣንበጣን ንጉሶምን ዋላ ሓንቲ ግደ ክህልዎም ኣይደለዩን: ዮሃንስ ከኣ ብዛዕባ እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል:- “ንጉስ አለዎ: ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ: ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን [ማለት “ጥፍኣት”] እዩ: ብጽርኢ ኸኣ ስሙ ኣጶልዮን [ማለት “መጥፍኢ”] ይብሀል።” (ራእይ 9:11) የሱስ ከም “መልኣኽ መዓሙቝ” ከምኡውን “መጥፍኢ” መጠን ኣብ ልዕሊ ህዝበ-ክርስትያን ናይ ወዮ መዓት ብሓቂ ፈንዩ ኢዩ። ዝገደደ ግን ክስዕብ ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ንዮኤል 2:4, 5, 7 (እቲ ነዞም ሓሳኹ ከም ኣፍራስን ሰባትን ሰብኡትን ከምኡውን ከም ድምጺ ሰረገላታት ገይሩ ዝገልጾም) ምስ ራእይ 9:7-9 ኣረኣእዮ። ከምኡውን ንዮኤል 2:6, 10 (እቲ ሳዕቤን ናይቲ ዘሳቒ መዓት ናይ ሓሳኹ ዝገልጽ) ምስ ራእይ 9:2, 5 ኣረኣእዮ።

b ነታ ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1961 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዘላ “ኣብ ስንጭሮ ምውሳን ኰይኖም ኣንጻር ህዝብታት ዝሓበሩ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

c እዚ ጥቕሲ እዚ እቲ መዓሙቝ ገለ ዓይነት ሲኦል ሓዊ ከም ዝዀነ እሞ: ኣብቲ መዓሙቝ ሓዊ ከም ዝነበረ ንምርግጋጽ ኢልካ ክቐርብ ከም ዘይክእል ኣስተብህል። ዮሃንስ “ከም” ትኪ ዓቢ እቶን: ወይ ከኣ ትኪ ዓቢ እቶን ዝመስል ትኪ ርኤኹ ኢዩ ዝበለ። (ራእይ 9:2) ኣብቲ መዓሙቝ ቃል ብቓሉ ሓዊ ከም ዝረኣየ ግን ኣይዛረብን ኢዩ።

d እታ ኣብዚ ኣትያ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ካብታ ሓድሓደ ግዜ ቃል ብቓሉ ምስቓይ እተመልክት ባ·ሳ·ኒʹዞ እትብል ሱር ቃል ኢያ መጺኣ፣ ይኹን እምበር: ናይ ኣእምሮ ስቓይ እውን ማለት ክትከውን ትኽእል ኢያ። ንኣብነት 2 ጴጥሮስ 2:8 ሎጥ በቲ ኣብ ሰዶም ዝርእዮ ዝነበረ እኩይ “እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት” ይብለና። እቶም ብግዜ ሃዋርያት ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ብኻልእ ምኽንያት ደኣ ይኹን እምበር: ናይ ኣእምሮ ስቓይሲ ነይሩዎም ኢዩ።

e እዚ መጽሔት እዚ: ብ1937 ኮንሶለሽን ብ1946 ከኣ ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ተባሂሉ ተሰምየ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 143 ዘሎ ስእሊ]

ምንፋሕ ናይቲ ሓምሻይ መለኸት ካብቲ ሰለስተ ወዮ ነቲ ናይ መጀመርታ የስዕብ

[ኣብ ገጽ 146 ዘሎ ስእሊ]

ፍላጻታትካ በላሕቲ ኢየን: ኣብ ልቢ ጸላእቲ ንጉስ ይኣትዋ። (መዝሙር 45:5) ኣብ ላዕሊ ምስ እዚ መግለጺ እዚ ዘሎ ካርቱን: ሓደ ካብቶም ብ1930ታት ዝወጹ ዝነበሩ እሞ ነቶም “ማሕተም ኣምላኽ ዘይነበሮም” ዝነኸሱ ብዙሓት ሕታማት ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 147 ዘሎ ስእልታት]

ሮያል ኣልበርት ኣደራሽ: እታ ደሊቨራንስ እትበሃል መጽሓፍ ዝወጸትሉ: “ምስክርነት ንገዛእቲ ዓለም” ዝብል ውሳነ ኸኣ ተቐባልነት ዝረኸበሉ ቦታ