ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ተዋጋኢ ንጉስ ኣብ ኣርማጌዶን ይዕወት

እቲ ተዋጋኢ ንጉስ ኣብ ኣርማጌዶን ይዕወት

ምዕራፍ 39

እቲ ተዋጋኢ ንጉስ ኣብ ኣርማጌዶን ይዕወት

ትርኢት 13​—ራእይ 19:11-21

ቀንዲ መልእኽቲ:- የሱስ ንሰይጣን ንምጥፋእ ነቶም ሰራዊት ሰማይ ይመርሖም

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ድሕሪ ምጥፋእ ናይ ዓባይ ባቢሎን

1. ኣርማጌዶን እንታይ ኢያ: ናብኣ ዘምርሕከ እንታይ ኢዩ፧

 ኣርማጌዶንንብዙሓት እተፍርህ ቃል ኢያ! ንኣፍቀርቲ ጽድቂ ግን እታ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ናይ መወዳእታ ፍርዱ ዘውርደላ ካብ ነዊሕ ግዜ ትጽቢት እተገብረላ መዓልቲ ከም ዘላ እተረጋግጽ ኢያ። እዚ ናይ ሰብ ውግእ ዘይኰነስ: ‘ናይቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዓባይ መዓልቲ ውግእ:’ ኣብ ልዕሊ ገዛእቲ ምድሪ ሕነ ዝፈድየላ መዓልቲ ኢያ። (ራእይ 16:14, 16፣ ህዝቅኤል 25:17) እቲ ዓቢ ጸበባ ብምብዳም ዓባይ ባቢሎን ድሮ ክጅምር ኢዩ። ብድሕርዚ እቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊትን እቶም ዓሰርተ ቐርኑን: ብሰይጣን ተለዓዒሎም መጥቃዕቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ንምውራድ ክትንስኡ ኢዮም። ድያብሎስ ነታ ሰበይቲ መሰል ማሕበር ኣምላኽ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝያዳ ብምቝጣዕ ነቶም ዝተረፉ ዘርኣ ፈጺሙ ንምጥፍኦም ክዋጋእ መታለሊታቱ ክጥቀም ቈሪጹ ተላዒሉ ኢዩ። (ራእይ 12:17) እዚ ንሰይጣን ናይ መወዳእታ ኣጋጣሚ ኢዩ!

2. ጎግ ማጎግ መን ኢዩ: የሆዋ ንህዝቡ ከም ዘጥቅዕ ገይሩ ዝጠዋውዮኸ ብኸመይ ኢዩ፧

2 እቲ ናይ ድያብሎስ ሕሱም መጥቃዕቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 38 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ኣብኡ እቲ ውርደተኛ ሰይጣን “ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ” ተባሂሉ ኢዩ ተጸዊዑ ዘሎ። የሆዋ ኣብ ምንጋጋ ጎግ ምሳልያዊ ዓንቃሪቦ የእቱ እሞ ንዕኡን ነቲ ኣዝዩ ብዙሕ ወተሃደራዊ ሓይሉን ናብ መጥቃዕቲ ይስሕቦ። ነዚ ብኸመይ ይገብሮ፧ ንጎግ መሰኻኽር ኣምላኽ ከም መከላኸሊ ዘይብሉ “ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ: ካብ ህዝብታት እተአከበ: ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዚነብር ዘሎ ህዝቢ” ኰይኖም ከም ዝረኣይዎ ብምግባር ኢዩ። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ንኣምልኾ እቲ ኣራዊትን ምስሉን ምስጋድ ዝኣበዩ እንኮ ህዝቢ ብምዃን ኣብ ምድሪ ማእከላይ መድረኽ ዝሓዙ ኢዮም። እቲ መንፈሳዊ ሓይሎምን ብልጽግንኦምን ንጎግ የቘጥዖ። ስለዚ ጎግን እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ወተሃደራዊ ሓይሉን: እቲ ካብ ባሕሪ ዝወጸ ኣራዊት ምስ ዓሰርተ ቐርኑን ሓዊስካ ንህዝቢ ኣምላኽ ክቐትሉ ይውሕዙ። ይኹን እምበር: ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዓባይ ባቢሎን ዘይኰነስ መለኮታዊ ዕቝባ ይረኽቡ!—ህዝቅኤል 38:1, 4, 11, 12, 15፣ ራእይ 13:1

3. የሆዋ ንሰራዊት ጎግ ዘጥፍኦም ብኸመይ ኢዩ፧

3 የሆዋ ንጎግን ንዅሎም ጭፍርኡን ዘጥፍኦም ብኸመይ ኢዩ፧ ጽን እሞ በል! “ኣነ ድማ ኣብ ኵሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽጽውዓሉ እየ: ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ርእሲ ሓዉ ኪኸውን እዩ።” ኣብቲ ውግእ እቲ ግን ኑክሌር ይኹን ኑክሌር ዘይኰነ ካልእ ዓይነት ኣጽዋር ሓንቲ ዘይጠቅም ክኸውን ኢዩ: ከመይሲ የሆዋ “ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ። ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ዝናም ሃጽፍን በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ። በዚ ኸምዚ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክግሀድ: ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም” ኢሉ ኣዊጁ ኢዩ።—ህዝቅኤል 38:21-23፣ 39:11፣ ምስ እያሱ 10:8-14፣ መሳፍንቲ 7:19-22፣ 2 ዜና መዋእል 20:15, 22-24፣ እዮብ 38:22, 23 ኣረኣእዮ።

እቲ “እሙንን ሓቀኛን” ዝበሃል

4. ዮሃንስ ነቲ ናይ ውግእ ክዳን እተኸድነ የሱስ ብኸመይ ይገልጾ፧

4 የሆዋ ሰይፊ ይጽውዕ። ነዚ ሰይፊ እዚ ዝሕዞ መን ኢዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ራእይ እንተድኣ ተመሊስና: እቲ መልሲ ኣብ ሓደ ባህ ዘብል ትርኢት ክንረኽቦ ኢና። ሰማያት ኣብ ቅድሚ ዮሃንስ ሓደ ብሓቂ ዘገርም ነገር ንምግላጽ ይኽፈት እሞ: የሱስ ናይ ውግእ ክዳን ተኸዲኑ ይርአ! ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ: ኣምበላይ ፈረስ: እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል: ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን: ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ።”—ራእይ 19:11, 12ሀ

5, 6. ትርጕም ናይቲ (ሀ) ኣምበላይ ፈረስ: (ለ) እቲ “እሙንን ሓቀኛን” ዝብል ስም: (ሐ) ከም “ሃልሃልታ ሓዊ” ዝዀና ኣዒንቲ: (መ) “ብዙሕ ዘውድታት:” እንታይ ማለት ኢዩ፧

5 ልክዕ ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ኣብ ትርኢት ናይቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ዝረኣናዮ: እዚ “ኣምበላይ ፈረስ” ንናይ ጽድቃዊ ውግእ ብቑዕ ምልክት ኢዩ። (ራእይ 6:2) ካብ ደቂ ኣምላኽከ ካብዚ ሓያል ተዋጋኢ እዚ ንላዕሊ ዝጸድቕ መን ክህሉ ይኽእል፧ “እሙንን ሓቀኛን” ካብ ተባህለ እቲ “እሙን ሓቀኛ ምስክር” የሱስ ክርስቶስ ክኸውን ኣለዎ። (ራእይ 3:14) ነቲ ጻድቕ ፍርድታት የሆዋ ንምፍጻም ኢዩ ዝዋጋእ። በዚ ኸምዚ ከም ብየሆዋ እተሸመ ፈራዲ: “ብርቱዕ ኣምላኽ:” መጠን ግዲኡ ይገብር ኣሎ። (ኢሳይያስ 9:6) ኣዒንቱ ከም “ሃልሃልታ ሓዊ” ዘፍርሃ ኢየን: ኣብቲ ዘንድድ ጥፍኣት ናይ ጸላእቱ ኸአ ይጥምታ።

6 እዚ ተዋጋኢ ንጉስ እዚ ኣብ ርእሱ ዘውድታት ኣለዎ። እቲ ዮሃንስ ካብ ባሕሪ ክወጽእ ዝረኣዮ ኣራዊት ነቲ ግዝያዊ ናይ ምድሪ ግዝኣቱ ዘመልክት ዓሰርተ ዘውድታት ነበሮ። (ራእይ 13:1) የሱስ ግን “ብዙሕ ዘውድታት” ኢዩ ዘለዎ። እቲ ግርማዊ ግዝኣቱ መዘና ዘይብሉ ኢዩ: ምኽንያቱ ንሱ “ንጉሰ ነገስታት: ጐይታ ጐይተትውን” ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:15

7. እቲ የሱስ ዘለዎ ጽሑፍ ስም እንታይ ኢዩ፧

7 ናይ ዮሃንስ መግለጺ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ብጀካኡስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ።” (ራእይ 19:12ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ንወዲ ኣምላኽ የሱስ: ኣማኑኤል: ከምኡውን ሚካኤል ብዝብል ስም ይጽውዖ ኢዩ። እዚ ዘይተገልጸ “ስም” እዚ ግን ነቲ የሱስ ኣብ እዋን መዓልቲ ጐይታ ዝረኽቦ መዓርግን መሰላትን ዘመልክት ኢዩ ዝመስል። (ምስ ራእይ 2:17 ኣረኣእዮ።) ኢሳይያስ ንየሱስ ካብ 1914 ንድሓር ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ስሙውን ግሩም: መካር: ብርቱዕ ኣምላኽ: ኣቦ ዘለኣለም: መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።” (ኢሳይያስ 9:6) ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ኣምላኽ [ንየሱስ] ናብ ልዕሊ ኹሉ ልዕል ዘበሎ: ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሃቦ’ ኢሉ ምጽሓፉ: ንስም የሱስ ምስቲ ኣዝዩ ልዑል መሰላት ናይ ኣገልግሎቱ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ።—ፊልጲ 2:9, 10

8. ነቲ ጽሑፍ ስም: የሱስ ጥራይ ዝፈልጦ ስለምንታይ ኢዩ: ገለ ካብዚ ክብ ዝበለ መሰላት እዚኸ ምስ መን ኢዩ ዝካፈሎ፧

8 ናይ የሱስ መሰላት ፍሉይ ኢዩ። ብጀካ የሆዋ ኣምላኽ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ መዓርግ ምሓዝ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ዝርድኦ የሱስ ጥራይ ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 11:27 ኣረኣእዮ።) ስለዚ ካብ ኵሎም ፍጡራት ኣምላኽ ነዚ ስም እዚ መሊኡ ክርድኦ ዝኽእል የሱስ ጥራይ ኢዩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ነታ መርዓቱ ገለ ካብዚ መሰላት እዚ የካፍላ ኢዩ። ስለዚ ከምዚ ኢሉ ይመባጻዕ:- ‘ነቲ ዚስዕር ነቲ ሓድሽ ስመይ ክጽሕፈሉ እየ።’—ራእይ 3:12

9. (ሀ) የሱስ ‘ብደም እተዐለሰ ኽዳን ምውንዛፉ:’ (ለ) የሱስ “ቃል ኣምላኽ” ተባሂሉ ምጽውዑ: እንታይ የመልክት፧

9 ዮሃንስ ወሲኹ “ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ: ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ” ይብል። (ራእይ 19:13) እዚ ናይ መን ‘ደም’ ኢዩ፧ እቲ ምእንቲ ደቂሰብ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ራእይ 1:5) ኣብዚ ሓሳብ እዚ ግን: ብዝበለጸ ነቲ ፍርድታት የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ተፈጸመ ዝፈስስ ደም ጸላእቱ ኢዩ ዘመልክት። እዚ: ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝነበረ ትርኢት የዘኻኽረና: ኣብኡ እቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ተዓጺዱ ኣብቲ ዓቢ መጽመቚ ቍጥዓ ኣምላኽ ይድርበ እሞ: እቲ ደም ‘ክሳዕ ልጓማት ኣፍራስ’ ይበጽሕ—እዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ኣምላኽ ዝፍጸም ዓቢ ዓወት የመልክት። (ራእይ 14:18-20) ብተመሳሳሊ: እቲ ኣብ ክዳን የሱስ እተዓለሰ ደም: ነቲ ወሳንን ምሉእን ዓወቱ ዘረጋግጽ ኢዩ። (ምስ ኢሳይያስ 63:1-6) ዮሃንስ እንደገና የሱስ ብስም ከም እተጸውዐ ይዛረብ። ኣብዚ ግዜ እዚ: ነቲ ተዋጋኢ ንጉስ ከም ቀንዲ ናይ የሆዋ ኣፈኛን ከም ናይ ሓቂ ዕዉትን ዘፍልጦ: እቲ ዝውቱር ዝዀነ “ቃል ኣምላኽ” ዝብል ስም ኢዩ።—ዮሃንስ 1:1፣ ራእይ 1:1

ተዋጋእቲ ብጾት የሱስ

10, 11. (ሀ) የሱስ ኣብቲ ውግእ ንበይኑ ከም ዘይዋጋእ ዮሃንስ ብኸመይ የርኢ፧ (ለ) እቶም ኣፍራስ ኣምበሌታት ምዃኖም: እቶም ፈረሰኛታት ከኣ “ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ” ምኽዳኖም እንታይ የመልክት፧ (ሐ) ነቶም ሰማያውያን “ሰራዊት” ዘቝሙ መን ኢዮም፧

10 የሱስ ኣብዚ ውግእ እዚ ንበይኑ ኣይኰነን ዝዋጋእ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ: ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም: ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ።” (ራእይ 19:14) እቶም ኣፍራስ “ኣምበሌታት” ምዃኖም ጽድቃዊ ውግእ ዘመልክት ኢዩ። ‘ጽሩይ ሻሽ’ ንፈረሰኛታት ናይቲ ንጉስ ዝግባእ ኢዩ: እቲ ዘንጸባርቕ ጽሩይ ጽዕድውና ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህን ጻድቕን ኣቕዋም ዘመልክት ኢዩ። ነዞም “ሰራዊት” እዚኣቶም ዘቝሙ ደኣ መን ኢዮም፧ ብዘይጥርጥር ነቶም ቅዱሳት መላእኽቲ ዘጠቓልሉ ኢዮም። ኣብ ፈለማ ናይ መዓልቲ ጐይታ ሚካኤልን መላእኽቱን ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ደርበይዎም። (ራእይ 12:7-9) ብተወሳኺ: የሱስ ኣብቲ ግርማዊ ዙፋኑ ተቐሚጡ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ሃገራትን ህዝብታትን ክፈርዶም ከሎ ‘ኵሎም መላእኽቲ’ ክዕጅብዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 25:31, 32) ኣብቲ ፍርድታት ኣምላኽ ናይ መጨረሻ መፈጸምታ ዝረኽበሉ ወሳኒ ውግእውን የሱስ እንደገና ብመላእኽቱ ክዕጀብ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ።

11 ካልኦትውን ኣብኡ እትዋት ክዀኑ ኢዮም። የሱስ መልእኽቱ ናብ ጉባኤ ትያቲራ ክልእኽ ከሎ ከምዚ ኢሉ ተመባጽዐ:- “ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ: ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ: ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዚሰባበር ገይሩ: ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።” (ራእይ 2:26, 27) ብዘይጥርጥር እቲ ግዚኡ ምስ ኣኸለ: እቶም ድሮ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኣሕዋት ክርስቶስ: በቲ በትሪ ሓጺን እቲ ገይሮም ህዝብታትን ሃገራትን ንምጕሳይ ግደ ክህልዎም ኢዩ።

12. (ሀ) እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ ኣርማጌዶን ዝግበር ውግእ ግደ ክህልዎም ድዩ፧ (ለ) እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ብኸመይ ኢዮም እቱዋት ዝዀኑ፧

12 ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽከ እንታይ ኢዩ ዝብሃሎ፧ እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ኣብቲ ኣብ ኣርማጌዶን ዝግበር ውግእ ንጡፍ ግደ ኣይክህልዎን ኢዩ: እቶም ካብ ኵሎም ህዝብታት ኣብቲ መንፈሳዊ ቤት ናይ ኣምልኾ የሆዋ ክውሕዙ ዝጸንሑ እሙናት ብጾቱውን ኣብኡ ግደ ኣይክህልዎምን ኢዩ። እዞም ሰላማውያን ሰባት እዚኣቶም ድሮ ኣስያፎም ናብ ማሕረሻታት ለዊጦሞ ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:2-4) ይኹን እምበር: ኣጸቢቖም ድማ እቱዋት ኢዮም! ከምቲ ኣቐዲምና ርኢናዮ ዘሎና: እቶም መከላኸሊ ዘይብሎም ዝመስሉ እሞ ጎግን ጭፍርኡን ብጭከና ዘጥቅዕዎም ህዝቢ የሆዋ ኢዮም። እዚ ኸኣ ነቲ በቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ዝድገፍ ናይ የሆዋ ተዋጋኢ ንጉስ: ሃገራት ንምጽናት ውግእ ክጅምር ምልክት ክዀኖ ኢዩ። (ህዝቅኤል 39:6, 7, 11፣ ምስ ዳንኤል 11:44–12:1 ኣረኣእዮ።) እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ከም ተዓዘብቲ መጠን ኣዝዮም ክግደሱ ኢዮም። ኣርማጌዶን ድሕነቶም ማለት ክትኸውን ኢያ: ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ናይቲ ዓቢ ውግእ ምፍዳይ ሕነ የሆዋ ከም ምዃኖም መጠን ከኣ ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም።

13. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንጻር ኵሎም መንግስታት ከም ዘይኰኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

13 እዝስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንጻር ኵሎም መንግስታት ኢዮም ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን! ነቲ “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ” ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ ይእዘዝዎ ኢዮም። እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ክሳዕ ዘሎ: እዞም ‘ስልጣናት’ እዚኣቶም ኣብቲ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ምጡን ስርዓት ምእንቲ ክዕቅቡ ብፍቓድ ኣምላኽ ዘለዉ ምዃኖም ይግንዘብዎ ኢዮም። በዚ ኸምዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግብሪ ይኸፍሉ: ሕግታት ይእዘዙ: ናይ ትራፊክ ስርዓት የኽብሩ: ምስ ናይ ምዝገባ ሕጊ ይሰማምዑ: ከምኡውን ካልእ ነገራት የኽብሩ ኢዮም። (ሮሜ 13:1, 6, 7) ብተወሳኺ: ሓቀኛታትን ቅኑዓትን ብምዃን: ንብጻዮም ፍቕሪ ብምርኣይ: ጽኑዕ ስነ-ምግባራዊ ኣቕዋም ዘለዎ ስድራቤት ብምህናጽ: ከምኡውን ደቆም ኣብነታውያን ዜጋታት ክዀኑ ብምልምማድ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ይስዕቡ ኢዮም። በዚ መገዲ እዚ “ናይ ቄሳር ንቄሳር” ጥራይ ዘይኰነስ “እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ” ይህብዎ ኢዮም። (ሉቃስ 20:25: 1 ጴጥሮስ 2:13-17) ቃል ኣምላኽ: እዚ ናይዛ ዓለም እዚኣ መንግስታዊ ስልጣናት ግዝያዊ ምዃኑ ስለ ዝገልጸልና: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ክርስቶስ ክርከብ ዘለዎ ምሉእን ናይ ሓቅን ህይወት ኢዮም ሕጂ ዝዳለዉ ዘለዉ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17-19) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰበ-ስልጣናት ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ምግልባጥ ግደ ዘይብሎም እኳ እንተዀኑ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ክፍጽሞ ዘለዎ ፍርዲ ዝዛረቦ ኣኽብሮት ብዘለዎ ፍርሃት ኢዮም ዝምልከትዎ።—ኢሳይያስ 26:20, 21፣ እብራውያን 12:28, 29

ናብቲ ናይ መዛዘሚ ውግእ!

14. እቲ ካብ ኣፍ የሱስ ዝወጽእ “በሊሕ ሰይፊ” ናይ ምንታይ ምልክት ኢዩ፧

14 የሱስ በየናይ ስልጣን ኢዩ ዝስዕር፧ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይሕብረና:- “ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።” (ራእይ 19:15ሀ) እዚ “በሊሕ ሰይፊ” እዚ: ነቲ የሱስ ንዅሎም እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ምድጋፍ ዝኣበዩ ንኽቕተሉ ትእዛዝ ንኽህብ ብየሆዋ እተዋህቦ ስልጣን ዘመልክት ኢዩ። (ራእይ 1:16፣ 2:16) እዚ ንጹር ዝዀነ ምልክት እዚ ምስ ቃላት ኢሳይያስ ዝመሳሰል ኢዩ:- “[የሆዋ] ንኣፈይ ከም በሊሕ ሰይፊ ገበሮ : ኣብ ጽላል ኢዱ ኸኣ ሐብኣኒ: ስሑል ፍላጻ ገበረኒ: ኣብ ጕልድባኡውን ከወለኒ።” (ኢሳይያስ 49:2) ኣብዚ: ኢሳይያስ ጽላሎት ናይቲ ንፍርድታት ኣምላኽ ዝእውጅን ብዘይስሕት ፍላጻ ገይሩ ኸኣ ኣብ ግብሪ ዘውዕልን የሱስ ኢዩ።

15. ኣብዚ ደረጃ እዚ: እቲ ዝቕላዕን ዝፍረድን መን ኢዩ: ምጅማር ናይ እንታይ ንምምልካትከ፧

15 ኣብዚ ደረጃ እዚ: የሱስ ንመፈጸምታ ናይቲ “እቲ መፍረስ ሕጊ ድማ ሽዑ ኺግለጽ እዩ። ንእኡ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ገይሩ ኼጥፍኦ: ብምግላጽ ምጽኣቱውን ከንቱ ኺገብሮ እዩ” ዝብል ናይ ጳውሎስ ቃላት ድሮ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። እወ: ናይ የሱስ ህላወ (ግሪኽ ፓ·ሩ·ሲ·ያ) ካብ 1914 ኣትሒዙ ብምቕላዕን ምፍራድን ክፍሊ ናይ ሰብኣይ ዓመጻ ዝዀኑ ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ተራእዩ ኢዩ። እቶም ዓሰርተ ቐርኒ ናይቲ ቐዪሕ ዝሕብሩ ኣራዊት ነቲ ፍርዲ እቲ ምስ ፈጸምዎን ንህዝበ-ክርስትያን ከኣ ምስቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይ ዓባይ ባቢሎን ምስ ኣዕነውዋን እቲ ህላወ ኣጸቢቑ ክግለጽ ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:1-3, 8) እዚ: ምጅማር ናይቲ ዓቢ ጸበባ ክኸውን ኢዩ! ብድሕርዚ: የሱስ ምስቲ “ብበትሪ ኣፉ ንምድሪ ኺወቕዓ: ብመንፈስ ከናፍሩ ድማ ንረሲኣን ኪቐትሎም እዩ” ዝብል ትንቢት ብምስምማዕ: ቈላሕትኡ ኣብቲ ዝተረፈ ናይ ሰይጣን ማሕበር ክገብር ኢዩ።—ኢሳይያስ 11:4

16. መዝሙርን ኤርምያስን ነቲ ብየሆዋ እተሸመ ተዋጋኢ ንጉስ ዘለዎ ግደ ብኸመይ ይገልጽኦ፧

16 እቲ ተዋጋኢ ንጉስ: ብየሆዋ ከም እተሸመ መጠን: ኣብ መንጎ እቶም ክድሕኑ ዘለዎምን ክሞቱ ዘለዎምን ምፍልላይ ክገብር ኢዩ። የሆዋ ብትንቢት ነዚ ወዲ ኣምላኽ እዚ ክዛረቦ ኸሎ ከምዚ ይብል:- “[ንገዛእቲ ምድሪ] ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም: ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ።” ኤርምያስውን ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብልሹዋት ናይ መንግስቲ መራሕትን ተሓባበርቶምን ከምዚ ይብሎም:- “እተን እትሕረዱለን መዓልትታት በጺሔን እየን: ኣነ ኽሰባብረኩም እየ: ከም ክብርቲ ኣቕሓውን ክትወድቁ ኢኹም እሞ: ኣቱም ጓሶት: ዋይዋይ በሉን ጨርሑን: ኣቱም መራሕቲ መጓሰ: ኣብ ሓመድ ጠንቀላዕላዕ በሉ።” እዞም ገዛእቲ እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እዛ እክይቲ ዓለም ክሳዕ ክንደይ ተበሃግቲ ይመስሉ እኳ እንተነበሩ: ንሓንቲ ምልክዕቲ ኣቕሓ ከም ምስባር እቲ ንጉስ ብበትሪ ሓጺን ሓደ ግዜ ወቒዑ ክሕምሽሾም ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ዳዊት ብዛዕባ ጐይታ የሱስ እተነበዮ ኢዩ ዝኸውን:- “እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ: ኣብ ማእከል ጻላእትኻ ግዛእ። እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ ዀይኑ: ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ንነገስታት ኪጭፍልቖም: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪፈርድ: ብሬሳታት ኪመልኦ: ርእሲ ርሒብ ሃገር ኪጭፍልቕ [ኢዩ]።”—መዝሙር 2:9, 12፣ 83:17, 18፣ 110:1, 2, 5, 6፣ ኤርምያስ 25:34

17. (ሀ) ዮሃንስ ነቲ እቲ ተዋጋኢ ንጉስ ዝገብሮ ናይ ፍርዲ ተግባር ብኸመይ ይገልጾ፧ (ለ) እታ መዓልቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ንህዝብታት ክሳዕ ክንደይ ናይ መከራ መዓልቲ ከም እትኸውን ዘርእዩ ገለ ትንቢታት ኣዘንቱ።

17 እዚ ሓያል ተዋጋኢ ንጉስ እዚ እንደገና ኣብቲ ዝቕጽል ትርኢት ይርአ:- “ነቲ መጽመቚ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ።” (ራእይ 19:15ለ) ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝነበረ ትርኢት: ዮሃንስ ምርጋጽ ናይቲ “ዓብዪ መጽመቚ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ” ድሮ ርእዩ ኢዩ። (ራእይ 14:18-20) ኢሳይያስ እውን ብዛዕባ ናይ ፍርዲ መጽመቝ ወይኒ ገሊጹ ኣሎ: ካልኦት ነብያትውን እታ መዓልቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ንዅሎም ህዝብታት ክሳዕ ክንደይ ናይ መከራ መዓልቲ ከም እትኸውን ተዛሪቦም ኣለዉ።—ኢሳይያስ 24:1-6፣ 63:1-4፣ ኤርምያስ 25:30-33፣ ዳንኤል 2:44፣ ጸፎንያስ 3:8፣ ዘካርያስ 14:3, 12, 13፣ ራእይ 6:15-17

18. ነብዪ ዮኤል የሆዋ ንዅሎም ህዝብታት ብዛዕባ ምፍራዱ እንታይ ይገልጽ፧

18 ነብዪ ዮኤል ነቲ መጽሞቚ ወይኒ ምስቲ የሆዋ ንዅሎም ‘ህዝብታት ንኽፈርድ’ ዝመጾ መዓልቲ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። እቲ “እከዮም ስለ ዝዐበየ: ቀውዒ በጺሑ እዩ እሞ: ማዕጺድ ስደዱ: እቲ መጽመቚ መሊኡ: ኣጋንእ ከኣ ይጅርብብ አሎ እሞ: ንዑ ርገጹ። መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ለሰ ምምዳብ ቀሪባ እያ እሞ: ጭፍራ: ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ። ጸሓይን ወርሕን ይጽልማ: ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሐብኡ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም: ድምጹ ኻብ የሩሳሌም የስምዕ: ሰማይን ምድርን ከኣ የንቀጥቅጥ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቈቢ: ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ እዩ። ኣነ . . . እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ: ክትፈልጡ ኢኹም” ብምባል ዝእዝዝ ከኣ: የሆዋ ነቲ ምስኡ ኰይኑ ዝፈርድ የሱስን ነቶም ሰማያውያን ሰራዊቱን ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ።—ዮኤል 3:12-17

19. (ሀ) እቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 4:17 እተሓተ ሕቶ ብኸመይ ክምለስ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ክዳውንቲ የሱስ እንታይ ስም ኢዩ ተጻሒፉ ዘሎ: ግቡእ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧

19 እታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ዘይእዙዛት ህዝብታትን ሰባትን ብርግጽ መዓልቲ ጥፍኣት ክትከውን ኢያ: ንዅሎም እቶም ንየሆዋን ነቲ ንሱ ዝሸሞ ተዋጋኢ ንጉስን ዕቝብኦም ዝገብሩ ግን መዓልቲ ቅሳነት ክትኰነሎም ኢያ! (2 ተሰሎንቄ 1:6-9) እቲ ብ1918 ብቤት ኣምላኽ ዝጀመረ ፍርዲ ነቲ “እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧” ዝብል ኣብ 1 ጴጥሮስ 4:17 ዘሎ ሕቶ ብምምላሽ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጅኡ ክበጽሕ ኢዩ። እቲ ግርማዊ ሰዓሪ: እቲ “ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፤ ንጉሰ ነገስትን: ጐይታ ጐይተትውን: ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ” ብምባል ዮሃንስ እተዛረበሉ ክብ ዝበለ ኣካል ንሱ ምዃኑ ብምርኣይ: ነቲ መጽሞቚ ወይኒ ንመወዳእትኡ ክረግጾ ኢዩ። (ራእይ 19:16) ካብ ዝዀነ ይኹን ምድራዊ ገዛኢ: ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ንጉስ ወይ ጐይታ ኣዝዩ ዝሓየለ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ክብሩን ምንጽብራቑን ሓለፍ ዝበለ ኢዩ። “ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን” ወጺኡ ኣሎ: ንዅሉ ግዜ ኸኣ ኢዩ ተዓዊቱ! (መዝሙር 45:4) ኣብቲ ብደም እተዓለሰ ክዳውንቲ ናይቲ ሉዓላውነት ዘረጋግጽ: እቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ዝሃቦ ስም ተጻሒፉ ኣሎ!

እቲ ናይ ኣምላኽ ዓቢ ድራር

20. ዮሃንስ ነቲ “ዓብዪ ናይ ኣምላኽ ድራር” ብኸመይ ይገልጾ: እንታይ ናይ ቀደም ግናኸ ተመሳሳሊ ዝዀነ ትንቢትከ ኢዩ ዘዘኻኽር፧

20 ኣብ ናይ ህዝቅኤል ትርኢት: ናይ ጎግ ጭፍራ ድሕሪ ምጥፍኡ እተን ኣዕዋፍን ኣራዊትን ኣብቲ ድግስ ተዓዲሞም ኢዮም! ሬሳ ናይቶም ጸላእቲ የሆዋ ብምብላዕ ነታ ምድሪ የጽርይዋ። (ህዝቅኤል 39:11, 17-20) እቲ ቀጺሉ ዘሎ ናይ ዮሃንስ ቃላት ነቲ ናይ ቅድም ትንቢት ኣብ ኣእምሮና ህያው ይገብረልና:- “ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዅለን ኣዕዋፍ፤ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦምን: ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ: ንዕኔ: ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ [“ኣምላኽ:” NW] ድራር ተአከባ: እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።”—ራእይ 19:17, 18

21. (ሀ) እቲ መልኣኽ ‘ኣብ ጸሓይ ደው ምባሉ:’ (ለ) እቶም ምዉታት ከይተቐብሩ ኣብ ምድሪ ምጽንሖም: (ሐ) ዝርዝር ናይቶም ሬስኦም ኣብ ምድሪ ዝድርበ: (መ) እቲ “ዓብዪ ናይ ኣምላኽ ድራር” ዝብል መግለጺ: እንታይ የመልክት፧

21 እቲ መልኣኽ ኣቓልቦ ናይተን ኣዕዋፍ ንኽስሕብ ኣብ በሪኽ ቦታ: “ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ” ኢዩ ዘሎ። ስጋ ናይቶም በቲ ተዋጋኢ ንጉስን ሰማያውያን ሰራዊቱን ክጸንቱ ዘለዎም በሊዐን ምእንቲ ክጸግባ ኸኣ ይዕድመን። እቶም ምዉታት ከይተቐብሩ ኣብ ምድሪ ምጽንሖም ኣማውትኦም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘሕፍር ክኸውን ከም ዘለዎ ዘመልክት ኢዩ። ከምታ ናይ ጥንቲ ኢዛቤል ንቡር ቀብሪ ኣይክረኽቡን ኢዮም። (2 ነገስት 9:36, 37) ዝርዝር ናይቶም ሬስኦም ዝድርበ: ነገስታት: ሓለቓታት: ሓያላት: ጭዋታት: ከምኡውን ባሮት ምዃኑ እቲ ጥፍኣት ሰፊሕ ከም ዝኸውን የርኢ። ዋላ ሓንቲ ኣፈላላይ ዘይብሉ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ኣሰር ናይዛ ኣንጻር ኣምላኽ ዝዀነት ዓለወኛ ዓለም ክጠፍእ ኢዩ። ብድሕርዚ: ብእተደናገሩ ደቅሰብ ዝቘመ ዝናወጽ ባሕሪ ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ። (ራእይ 21:1) ነተን ኣዕዋፍ ኣብቲ ድግስ ዝዕድመን የሆዋ ባዕሉ ስለ ዝዀነ እዚ እቲ “ዓብዪ ናይ ኣምላኽ ድራር” ኢዩ።

22. ዮሃንስ ኣንፈት ናይቲ መወዳእታ ውግእ ብኸመይ የጠቓልሎ፧

22 ዮሃንስ ነቲ ፍጻመታት ናይቲ መወዳእታ ውግእ ከጠቓልል ከሎ ከምዚ በለ:- “እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ: ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተአኪቦም ርኤኹ። እቲ ኣራዊት ተታሕዘ: እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ: ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ: ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ: ኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ።”—ራእይ 19:19-21

23. (ሀ) እታ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ’ በየናይ መገዲ ኢያ ኣብ “ኣርማጌዶን” እትፍጸም፧ (ለ) ‘ነገስታት ምድሪ’ ዘየቕለብሉ መጠንቀቕታ እንታይ ኢዩ: ምስ ከመይ ዝበለ ሳዕቤንከ፧

23 ዮሃንስ እታ ሻድሸይቲ ጽዋእ ናይ ቍጥዓ የሆዋ ድሕሪ ምፍሳሳ: ‘ነገስታት ኵላ ዓለም’ ብጋኔናዊ ፕሮፓጋንዳ ኣብታ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ’ ክእከቡ ከም ዝዀኑ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ ኢዩ። እዚ ውግእ እዚ ኣብ ሓደ ቃል ብቓሉ ቦታ ዘይኰነስ ኣብቲ የሆዋ ፍርዱ ዝፍጽመሉ ዓለምለኻዊ ኵነታት ናይ ኣርማጌዶን ኢዩ ዝፍጸም። (ራእይ 16:12, 14, 16) ሕጂ ዮሃንስ ነቲ ናይ ውግእ መስርዕ ይርእዮ። ኣንጻር ኣምላኽ ተሰሊፎም ዝረኣዩ “ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን” ኢዮም። ኣብ ትሕቲ እቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ ከይግዝኡ ብትዕቢት ኣብዮም ኢዮም። የሆዋ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ “[የሆዋ] ከይዅሪ: ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ: ንወዱ ሰዓምዎ” ብምባል ንጹር መጠንቀቕታ ሂብዎም ኢዩ። ርእሶም ንግዝኣት ክርስቶስ ስለ ዘየግዝኡ ክሞቱ ይግብኦም።—መዝሙር 2:12

24. (ሀ) ኣብ ልዕሊ እቲ ኣራዊትን ነብዪ ሓሶትን እንታይ ፍርዲ ኢዩ ዝፍጸም: ብኸመይከ ኢዮም ገና “ብህይወቶም” ዝህልዉ፧ (ለ) እቲ “ቀላይ ሓዊ” ምሳልያዊ ክኸውን ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

24 እቲ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘሎዎ ካብ ባሕሪ ዝወጽእ ንፖለቲካዊ ማሕበር ሰይጣን ዝምሰል ኣራዊት: ክድምሰስን ክርሳዕን ኢዩ: ምስኡ ድማ እቲ ሻውዓይ ሓይሊ ዓለም ዝዀነ ነብዪ ሓሶት ክጠፍእ ኢዩ። (ራእይ 13:1, 11-13፣ 16:13) ገና “ብህይወቶም” ከለዉ ወይ ከኣ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ሓቢሮም እናተቓወሙዎም ከለዉ ኣብቲ “ቀላይ ሓዊ” ክድርበዩ ኢዮም። እዝስ ቃል ብቓሉ ቀላይ ሓዊ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ልክዕ ከምቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን ቃል ብቓሉ እንስሳታት ዘይኰኑ: እዚውን ቃል ብቓሉ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ምልክት ናይ ሓደ ፍጹምን ናይ መወዳእታን ጥፍኣት: መምለሲ ዘይብሉ ስፍራ ኢዩ። ዳሕራይ ሞትን ሃደስን ከምኡውን ድያብሎስ ንርእሱ ኣብዚ ቦታ እዚ ኢዮም ዝድርበዩ። (ራእይ 20:10, 14) እዚ ቦታ እዚ እቶም እኩያት ንዘለኣለም ዝሳቐይሉ ሲኦል ሓዊ ኣይኰነን: ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ከምዚ ዝበለ ቦታ ሓሳብ እውን ከይተረፈ ፍንፉን ኢዩ።—ኤርምያስ 19:5፣ 32:35፣ 1 ዮሃንስ 4:8, 16

25. (ሀ) እቶም ‘በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ዝቕተሉ’ መን ኢዮም፧ (ለ) ገለ ካብቶም ‘ዝቕተሉ’ ክትንስኡዶ ንጽበ ኢና፧

25 ኵሎም ካልኦት ብቐጥታ ክፍሊ ናይ መንግስቲ ዘይነበሩ: እንተዀነ ግን ክፍሊ ናይዚ ዘይዕረ ብልሹው ናይ ወድሰብ ዓለም ዝነበሩ እውን ብተመሳሳሊ “በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ።” የሱስ ሞት ከም ዝግብኦም ገይሩ ክፈርዶም ኢዩ። ኣብዚ ቐላይ ሓዊ ስለ ዘይተጠቕሰ ትንሳኤ ክህልዎም ኢዩ ኢልና ንጽበዶ፧ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ በቲ የሆዋ ዝሾሞ ፈራዲ ዝቕተሉ ክትንስኡ ኢዮም ዝብል ፈጺምና ኣይንረክብን ኢና። ከምቲ ባዕሉ የሱስ ዝበሎ ኵሎም እቶም “ኣባጊዕ” ዘይኰኑ “ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ማለት “ናይ ዘለኣለም ስቓይ [“ምቝራጽ:” NW]” ኢዮም ዝኸዱ። (ማቴዎስ 25:33, 41, 46) እዚ ኸኣ ‘ንመዓልቲ ፍርድን ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን’ ክዛዝሞ ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 3:7፣ ናሆም 1:2, 7-9፣ ሚልክያስ 4:1

26. ውጽኢት ናይ ኣርማጌዶን ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።

26 በዚ መገዲ እዚ ኵሉ ምድራዊ ማሕበር ሰይጣን ይጠፍእ። እቲ ‘ቐዳማይ ሰማይ’ ናይ ፖለቲካዊ ግዝኣት ሓሊፉ። ‘ምድሪ:’ እቲ ሰይጣን ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ክሃንጾ ዝጸንሐ ነባሪ ዝመስል ኣገባብ ሕጂ ፈጺሙ ተደምሲሱ። ‘ባሕሪ:’ እቲ ንየሆዋ ዝቃወም እኩይ ሓፋሽ ህዝቢ ድሕሪ ደጊም ኣይክህሉን ኢዩ። (ራእይ 21:1፣ 2 ጴጥሮስ 3:10) ንሰይጣን ግን የሆዋ እንታይ ኢዩ ዓቚሩሉ ዘሎ፧ ዮሃንስ ቀጺሉ ይነግረና።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]