ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ኻልኣይ ወዮ—ሰራዊት ፈረሰኛታት

እቲ ኻልኣይ ወዮ—ሰራዊት ፈረሰኛታት

ምዕራፍ 23

እቲ ኻልኣይ ወዮ—ሰራዊት ፈረሰኛታት

1. ኣቕሽሽቲ ነዞም ኣንበጣ ክጭፍልቕዎም እኳ እንተ ፈተኑ: እንታይ ኢዩ ዝዀነ: ገና ኽልተ ወዮ ክመጽእ ምዃኑኸ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

 ካብ 1919 ንደሓር ህዝበ-ክርስትያን ብምሳልያዊ ኣንበጣ ምውራራ: ንኣቕሽሽቲ ብዙሕ ጭንቀት ኣምጺኡሎም ኢዩ። ነዞም ኣንበጣ ክጭፍልቕዎም ፈቲኖም ኢዮም: እንተዀነ ግን መመሊሶም ደኣ በርትዑ። (ራእይ 9:7) እዚ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን! ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “እቲ ቐዳማይ ወዮ ሐሊፉ: ድሕርዚ ኸኣ እንሆ: ገና ኽልተ ወዮ ይመጽእ አሎ።” (ራእይ 9:12) ንህዝበ-ክርስትያን ገና ተወሳኺ ዘሳቒ መዓት ተዓቚሩላ ኣሎ።

2. (ሀ) እቲ ሻድሻይ መልኣኽ መለኸቱ ምስ ነፍሐ እንታይ ኢዩ ዝዀነ፧ (ለ) እቲ ካብ ‘ቀርኒ ናይቲ መሰውኢ ወርቂ ዝስማዕ ድምጺ’ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ሐ) ስለምንታይ ኢዮም ኣርባዕተ መላእኽቲ እተጠቕሱ፧

2 ምንጪ ናይቲ ኻልኣይ ወዮ እንታይ ኢዩ፧ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ: ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘለዎ ሳድሳይ መልኣኽ: ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተአሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም: ዚብሎ ድምጺ ሰማዕኩ።” (ራእይ 9:13, 14) ምፍታሕ ናይቶም መላእኽቲ መልሲ ናይቲ ካብቲ ቐርኒ መሰውኢ ወርቂ ዝስማዕ ድምጺ ኢዩ። እዚ እቲ ናይ ዕጣን መሰውኢ ወርቂ ኢዩ: ኣቐድም ኣቢሉ ኸኣ ክልተ ግዜ እቲ ኣብዚ መሰውኢ እዚ ኣብ ጽዋእ ወርቂ ዝነበረ ዕጣን: ምስ ጸሎት ናይቶም ቅዱሳት ተተሓሒዙ ነይሩ ኢዩ። (ራእይ 5:8፣ 8:3, 4) ስለዚ እምበኣር: እዚ ድምጺ እዚ: ጸሎት ናይቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳት ብሓባር ኢዩ ዘመልክት። ንሳቶም ከም ናይ የሆዋ “ልኡኻት” መጠን ድሒኖም ዝያዳ ህርኩት ኣገልግሎት ክገብሩ ኢዮም ዝልምኑ: ቀንዲ ትርጕም ናይታ ኣብዚ “መላእኽቲ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ልኡኻት” ማለት ኢዩ። ስለምንታይ ኢዮም ኣርባዕተ መላእኽቲ ዘለዉ፧ እዚ ምሳልያዊ ቝጽሪ እዚ ምድሪ ብምልእታ ንኽሽፍኑ ኣዝዮም እተመሓደሩ ከም ዝዀኑ ኢዩ ዘመልክት።—ራእይ 7:1፣ 20:8

3. እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ ‘ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ እተኣስሩ’ ብኸመይ ኢዮም፧

3 እቶም መላእኽቲ ‘ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ እተኣስሩ’ ብኸመይ ኢዮም፧ ኣብ ግዜ ጥንቲ: ርባ ኤፍራጥስ ሰሜናዊ ምብራቕ ዶብ ናይቲ የሆዋ ንኣብርሃም እተመባጽዓሉ ሃገር ነበረ። (ዘፍጥረት 15:18፣ ዘዳግም 11:24) እቶም መላእኽቲ ናብቲ የሆዋ ንዕኦም ዘዳለዎ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምእታው ተኸልኪሎም: ኣብ ዶብ ናይቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ሃገር ወይ ከኣ ንጥፈት ናይ ምድራዊ ግዝኣት ከም እተሓጽሩ ርዱእ ኢዩ ዝመስል። ኤፍራጥስ ምስ ከተማ ባቢሎን እውን ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ ነበረ: የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ምውዳቓ ኸኣ ስጋውያን እስራኤል “ኣብቲ ዓቢ ርባ ኤፍራጥስ ተአሲሮም” 70 ዓመታት ኣብኡ ምሩኻት ኰይኖም ኣሕለፍዎ። (መዝሙር 137:1) ብ1919 መንፈሳውያን እስራኤል ኣብ ተመሳሳሊ እገዳ ብምንባሮም: ጕሁያትን የሆዋ መሪሕነቱ ክህቦም ከኣ ይልምኑን ነበሩ።

4. እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ እንታይ መዝነት ኢዩ ዘለዎም: ብኸመይከ ኢዩ እተፈጸመ፧

4 ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ክህብ ብምኽኣሉ ዘሐጕስ ኢዩ:- “እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ: ንሲሶ ሰብ ምእንቲ ኪቐትሉ: ተፈትሑ።” (ራእይ 9:15) የሆዋ ብልክዕ ግዜ ዝሕሉ ኢዩ። ናይ ግዜ መደብ ኣለዎ: ይሕልዎ ኸኣ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ እዞም ልኡኻት እዚኣቶም እቲ ክገብርዎ ዘለዎም ምእንቲ ክፍጽሙ ልክዕ ኣብቲ እተመደበሎም ግዜ ኢዮም ዝፍነዉ። ብ1919 ካብ ባርነት ሓራ ዀይኖም ንዕዮ ድልዋት ምስ ኰኑ ዝነበሮም ሓጐስ እሞ ገምቶ! ንሰባት ከሳቕዩ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ መወዳእታ ‘ንሲሶ ሰብ ክቐትሉ’ እውን መዝነት ኣለዎም። እዚ ምስቲ ብምንፋሕ ናይቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ መለኸት እተኣወጀ ንሲሶ ምድሪ: ባሕሪ: ኣብ ባሕሪ ዘለዉ ፍጡራት: ዓይኒ ማያትን ርባታትን ከምኡውን ምንጭታት ሰማያዊ ብርሃን ዘጥፍአ መዓት እተዛመደ ኢዩ። (ራእይ 8:7-12) እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ ንቕድሚት ይቕጽሉ ኢዮም። ነቲ ብመንፈሳዊ መገዲ ምዉት ኵነታት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ብምቅላዕ ከኣ ‘ይቐትሉ’ ኢዮም። እቲ ካብ 1922 ኣትሒዙ ክሳዕ እዚ ሕጂ ዘሎ ግዜ እተነፍሐ ኣዋጃት ከኣ ነዚ ፈጺሙ ኢዩ።

5. ንህዝበ-ክርስትያን ብዝምልከት ብ1927 ምንፋሕ ናይቲ ሻድሻይ መለኸት ብኸመይ ኢዩ እተሰምዐ፧

5 እቲ ሰማያዊ መልኣኽ ሻድሻይ መለኸት ከም ዝነፍሐ ኣይትረስዕ። ነዚ ምላሽ ብምሃብ ከኣ እቲ ሻድሻይ ዓመታዊ ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቶሮንቶ: ኦንታርዮ: ካናዳ ተኻየደ። እቲ ብሰንበት 24 ሓምለ 1927 እተገብረ ፕሮግራም: በቲ 53 ናይ ራድዮ መደበራት ዝነበሮ ናይቲ ግዜ እቲ ዝዓበየ ናይ ኣየር ፈነወ ተሰምዐ። እቲ ናይ ቃል መልእኽቲ ናብ ብዙሓት ሚልዮናት ሰማዕቲ በጺሑ ኢዩ። መጀመርታ ሓደ ብርቱዕ ውሳነ ህዝበ-ክርስትያን ብመንፈስ ምዉቲ ከም ዝዀነት ኣቃልዐ: ነቲ “ኣብዚ ዘዳናግር እዋን እዚ የሆዋ ኣምላኽ ህዝብታት ‘ንህዝበ-ክርስትያን’ ወይ ‘ብማሕበር ዝቖመ ክርስትና’ ክሓድጉን ንዘለኣለም ክጥንጥኑን እሞ: ምሉእ ብምሉእ ክርሕቁ ነገረ . . .፣ ህዝብታት ልባዊ ወፈይኦምን ተኣማንነቶምን ብምሉኡ ንየሆዋ ኣምላኽን ንንጉሱን መንግስቱን ይሃቡ” ዝብል ዕድመውን ቀረበሎም። ናይቲ ዝሰዓበ ህዝባዊ ዝርርብ ኣርእስቲ ድማ “ናጽነት ንህዝብታት” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ነዚ ዝርርብ እዚ በቲ ልሙድ ሓያል ኣቀራርብኡ ምስቲ ዮሃንስ ቀጺሉ ኣብ ትርኢቱ ዝርእዮ “ሓውን ትክን ዲንን” ዝሰማማዕ ገይሩ ሃቦ።

6. ዮሃንስ ነቲ ቐጺሉ ዝረኣዮ ሰራዊት ፈረሰኛታት ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧

6 “ቍጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ከኣ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ: ቍጽሮም ሰማዕኩ። ብራእይውን ከምኡ እቶም ኣፍራስን እቶም ተቐሚጦምዎም ዘለዉን ርኤኹ። [“ቀይሕ:” NW] ሓውን [“ሰማያዊ:” NW] ህያክንቶስን [“ብጫ:” NW] ዲንን ዚመስል ድርዒ አለዎም። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል: ካብ ኣፎምውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ። በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንን: በዘን ሰለስተ መዓት እዚኤን ሲሶ ሰብ ተቐትለ።”—ራእይ 9:16-18

7, 8. (ሀ) ኣብ ትሕቲ ናይ መን መሪሕነት ኢዮም እዞም ፈረሰኛታት ዝጋልቡ፧ (ለ) በየናይ መገድታት ኢዮም እዞም ፈረሰኛታት ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣንበጣ ዝመሳሰሉ፧

7 እዞም ፈረሰኛታት እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ ከም ዝዀኑ ርዱእ ኢዩ ዝመስል። ኣየ ከመይ ዝበለ ዘፍርህ ትርኢት ኢዩ! ዒላማ ናይ ከምዚኣቶም ዝበሉ ፈረሰኛታት እንተ ትኸውን እንታይ ክስምዓካ ከም ዝኽእል እሞ ገምቶ! ብምርኣዮም ጥራይ ልብኻ ምረዓደ ነይሩ። ይኹን እምበር: እዞም ፈረሰኛታት እዚኣቶም ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣንበጣ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝመሳሰሉ ኣስተብሂልካዶ፧ እቶም ኣንበጣ ኣፍራስ ኢዮም ዝመስሉ: ኣብቶም ሰራዊት ከኣ ኣፍራስ ኣለዉ። ክልቲኦም እምበኣር ኣብ ቲኦክራሲያዊ ውግእ ኢዮም ዘለዉ። (ምሳሌ 21:31) እቶም ኣንበጣ ከም ናይ ኣናብስ ዝመስል ኣስናን ኣለዎም፣ ኣብቶም ፈረሰኛታት ዘለዉ ኣፍራስ ከኣ ከም ናይ ኣናብስ ዝመስል ኣራእስ ኣለዎም። ስለዚ እምበኣር ክልቲኦም ምስቲ መራሒኦም: ኣዛዚኦም: ከምኡውን መርኣያኦም: የሱስ ክርስቶስ እቲ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ እተኣሳሰሩ ኢዮም።—ራእይ 5:5፣ ምሳሌ 28:1

8 እቶም ኣንበጣን እቶም ፈረሰኛታትን ኣብ ዕዮ ፍርዲ የሆዋ ኢዮም ዝካፈሉ። እቶም ኣንበጣ ካብቲ ንህዝበ-ክርስትያን ወዮን ናይ ጥፍኣት ሓውን ዝነግር ትኪ ኢዮም ወጺኦም፣ ካብ ኣፍ እቶም ኣፍራስ ከኣ ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ። እቶም ኣንበጣ ድርዒ ሓጺን ነበሮም: እዚ ኸኣ ልቦም ብጽኑዕ ተወፋይነት ንጽድቂ ከም እተሸፈነ ዘመልክት ኢዩ፣ እቶም ፈረሰኛታት ነቲ ካብ ኣፍ እቶም ኣፍራስ ዝወጽእ: ሞት ዘስዕብ መልእኽቲ ፍርዲ ዘመልክት ሓውን ትክን ዲንን ዘንጸባርቕ ቀይሕን ሰማያውን ብጫን ዝሕብሩ ድርዒ ኢዮም ለቢሶም ዘለዉ። (ምስ ዘፍጥረት 19:24, 28፣ ሉቃስ 17:29, 30 ኣረኣእዮ።) እቶም ኣንበጣ ከም ናይ ዕንቅርቢት ዝመስል ዘሳቕዩሉ ጭራ ኣለዎም፣ እቶም ኣፍራስ ከኣ ከም ናይ ተመን ዝመስል ዝቐትልሉ ጭራ ኣለዎም! እቲ በቶም ኣንበጣ እተጀመረ ብዝበለጸ ጻዕቅን ምሉእ ብምሉእን በቶም ፈረሰኛታት ዝቕጽል ኢዩ ዘምስል።

9. እቶም ፈረሰኛታት እንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧

9 ስለዚ እዞም ፈረሰኛታት እዚኣቶም እንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧ ልክዕ ከምቲ መለኮታዊ ምፍዳይ ሕነ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ንምንጋር እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ መለኸት ዝጥዕም ኣዋጅ ፍርዲ የሆዋ ብናይ ‘ምንካስን ምጕዳእን’ ስልጣን ዝጀመሮ: እዚ ህያው ጕጅለ እዚ ኣብቲ ‘ምቕታል’ ግደ ክህልዎም ኢና እንጽበ: እዚ ማለት ከኣ ህዝበ-ክርስትያንን ኣቕሽሽታን ብመንፈስ ምሉእ ብምሉእ ምዉታት ከም ዝዀኑ: ብየሆዋ ከም እተደርበዩ እሞ ናብቲ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዘመልክት “እቶን ሓዊ” ክኣትዉ ኸኣ ድሉዋት ከም ዝዀኑ ምንጋር ኢዩ። ብርግጽ ኵሎም እቶም ካብ ዓባይ ባቢሎን ዝዀኑ ክጠፍኡ ኣለዎም። (ራእይ 9:5, 10፣ 18:2, 8፣ ማቴዎስ 13:41-43) ይኹን እምበር: ቅድሚ ምጥፍኣ እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ናይ ሞት ኵነታት ንምቅላዕ እቲ ‘ናይ መንፈስ ሰይፊ ማለት ቃል ኣምላኽ’ ተጠቕመ። ነዚ ምሳልያዊ መቕተልቲ ናይ “ሲሶ ሰብ” መምርሒ ዝህቡ እቶም ኣርባዕተ መላእኽትን እቶም ጋለብቲ ናይቶም ኣፍራስን ኢዮም። (ኤፌሶን 6:17፣ ራእይ 9:15, 18) እዚ ኸኣ እቲ ፍሉይ ጕጅለ ኣወጅቲ መንግስቲ ናብቲ ውግእ ገጹ ክግስግስ ከሎ: ኣብ ትሕቲ ምዕዛብ ናይ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብምዃኑ ግቡእ ምምሕዳርን ቲኦክራሲያዊ መምርሕን ከም ዘሎ ይሕብር።

ክልተ እልፊ ግዜ እልፊ

10. ክልተ እልፊ ግዜ እልፊ ፈረሰኛታት ዝህልዉ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

10 ከመይ ኢሎም ኢዮም እዞም ፈረሰኛታት ክልተ እልፊ ግዜ እልፊ ክበጽሑ ዝኽእሉ፧ ሓደ እልፊ ቃል ብቓሉ 10,000 ኢዩ። ስለዚ ክልተ እልፊ ግዜ እልፊ ድማ 200 ሚልዮን ኢዩ። a ሎሚ ሚልዮናት ዝዀኑ ኣወጅቲ ናይታ መንግስቲ ምህላዎም ዘሐጕስ ኢዩ: እንተዀነ ግን ቍጽሮም ካብ ኣማእታት ሚልዮናት ዝወሓደ ኢዩ! እተን ሙሴ “ዎ እግዚኣብሄር: ናብቶም እልፊ ኣእላፋት እስራኤል ተመለስ” ዝበለን ኣብ ዘሁልቍ ምዕራፍ 10:36 ዘለዋ ቃላት ግን ዘክረን። (ምስ ዘፍጥረት 24:60 ኣረኣእዮ።) እዚ ኸኣ ቃል ብቓሉ ‘ናብቶም ዓሰርተታት ሚልዮናት እስራኤል ተመለስ’ ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: እስራኤል ኣብ ግዜ ሙሴ ቍጽሮም ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ሚልዮን ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ሙሴ ድአ እሞ እንታይ ኢዩ ዝብል ነይሩ፧ ብዘይጥርጥር እስራኤላውያን ኣብ ክንዲ ዝቝጸሩ “ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን” ቍጽሪ ዘይብሎም ክዀኑ ምዃኖም ኢዩ ኣብ ኣእምሮኡ ዝነበረ። (ዘፍጥረት 22:17፣ 1 ዜና መዋእል 27:23) ስለዚ እታ “ኣእላፋት” እትብል ቃል ንብዙሕ ዝዀነ ግን ዘይውሱን ቍጽሪ ንኸመልክት ኢዩ ተጠቒሙላ። በዚ ኸምዚ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል “ጐይታ ምስ እዞም ማእለያ ዘይብሎም ኣሽሓት እስራኤል ኵን” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። እዚ ምስቲ ኣብ መዝገበ ቃላት ግሪኽን እብራይስጥን ዘሎ ካልኣይ ትርጕም ናይ “እልፊ” ይሰማማዕ: ከምዚውን ይብል:- “ክቝጸር ዘይክእል ብዙሕ:” “ብዙሕ።”—ዘ ኒው ታየር’ስ ግሪክ-ኢንግሊሽ ለክሲኮን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት፣ ጀሴኒስ ዘዳለዎ ኤ ሄብሪዩ ኤንድ ኢንግሊሽ ለክሲኮን ኦቭ ዘ ኦልድ ተስታመንት ብኤድዋርድ ሮቢንሰን እተተርጐመ።

11. እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ብምሳልያዊ መገዲውን ከይተረፈ ኣእላፋት ምእንቲ ክዀኑ እንታይ የድልዮም ነበረ፧

11 ይኹን እምበር: እቶም ገና ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ ክፍሊ ዮሃንስ ካብ 10,000—ቃል ብቓሉ ሓደ እልፊ—ዝወሓዱ ኢዮም። ከመይ ኢሎም ድኣ ኢዮም እሞ ምስ ዘይቍጸሩ ኣሽሓት ፈረሰኛታት ክመሳሰሉ ዝኽእሉ፧ ብምሳልያዊ መገዲውን ከይተረፈ ኣእላፋት ምእንቲ ክዀኑ ደገፍ ኣየድለዮምንዶ ኢዩ፧ ኣድልይዎም ኢዩ: በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት የሆዋ እተቐበልዎ ድማ እዚ ደገፍ እዚ ኢዩ! እዚ ካበይ ኢዩ መጺኡ፧

12, 13. እንታይ ካብ 1918 ክሳዕ 1935 እተገብረ ታሪኻዊ ምዕባለታት ኢዩ ምንጪ ናይ ደገፎም ዘመልከት፧

12 እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ካብ 1918 ክሳዕ 1922 ነቶም ብጓሂ እተዋሕጡ ደቅሰብ ነቲ “ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም” ዝብል ሕጕስ መጻኢ ከብጽሑሎም ጀመሩ። ብ1923 ከኣ እተን ኣብ ማቴዎስ 25:31-34 ዘለዋ ኣባጊዕ: ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ህይወት ኣብ ምድሪ ክወርሳ ምዃነን ተፈልጠ። ኣብታ ብ1927 ኣብቲ ኣህጕራዊ ዓቢ ኣኼባ ዝወጸት ናጽነት ንህዝብታት (እንግሊዝኛ) እተባህለት ንእሽቶ መጽሓፍ እውን ተመሳሳሊ ተስፋ ተዘርግሐ። ኣብ መጀመርታ ናይ 1930ታት ከኣ እቶም ቅኑዓት ክፍሊ ዮናዳብ ከምኡውን እቶም በቲ ዘሕዝን መንፈሳዊ ኵነታት ናይ ህዝበ-ከርስትያን ‘ዝጕህዩን ዝትክዙን’ ሰባት: ምስተን ምድራዊ ተስፋ ዘለወን ምሳልያውያን ኣባጊዕ ሓደ ከም ዝዀኑ ተፈልጠ። (ህዝቅኤል 9:4: 2 ነገስት 10:15, 16) እታ ናይ 15 ነሓሰ 1934 ግምቢ ዘብዐኛ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ናብተን ዘመናውያን “ኸተማታት መዕቈቢ” ክትመርሖም ከላ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “እቶም ክፍሊ ዮናዳብ ንድምጺ መለኸት ኣምላኽ ሰሚዖሞ ከምኡውን ናብ ማሕበር ኣምላኽ ብምህዳምን ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ብምሕባርን ነቲ መጠንቀቕታ ኣቕሊቦምሉ ኢዮም: ኣብኡ ኸኣ ክነብሩ ኣለዎም።”—ዘሁልቍ 35:6

13 ብ1935 ነቶም ካብቲ ክፍሊ ዮናዳብ ዝዀኑ ኣብቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ሕ.መ.ኣ. እተኻየደ ዓቢ ኣኼባ ክካፈሉ ፍሉይ ዕድመ ተገብረሎም። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዓርቢ 31 ግንቦት ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ እቲ “ብዙሓት ሰብ” ዘርእስቱ ፍሉጥ ዝርርቡ ሃበ: ኣብኡ ኸኣ እቲ ኣብ ራእይ 7:9 (ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) ተጠቒሱ ዘሎ ጕጅለ ምስተን ኣብ ማቴዎስ 25:33 ዘለዋ ኣባጊዕ ማለት ህይወቶም ዝወፈዩ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ጕጀለ ሓደ ከም ዝዀነ ብግልጺ ኣርኣየ። ናይቲ ክመጽእ ዝነበሮ ፈላሚ ብምዃን: ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ እቲ: መብዛሕትኦም ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ 840 ሓደስቲ መሰኻኽር ተጠምቁ። b

14. እቶም ዓቢ ጭፍራ ኣብቲ ምሳልያዊ ናይ ፈረሰኛታት ዕዮ ግደ ክህልዎም ድዩ: ብ1963ከ እንታይ ውሳነ ኢዩ እተገልጸ፧

14 እዚ ዓቢ ጭፍራ እዚ ኣብቲ ብ1922 ዝጀመረ ብ1927 ከኣ ኣብቲ ናይ ቶሮንቶ ዓቢ ኣኼባ ፍሉይ ኣትኵሮ እተገብረሉ ናይ ፈረሰኛታት ዕዮ ግደ ኣለዎዶ ኢዩ፧ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ ማለት እቶም ቅቡኣት ክፍሊ ዮሃንስ ብምዃን: ብርግጽ ግደ ኣለዎ! ኣብቲ ብ1963 ኣብ ብዘላ ዓለም እተገብረ “ዘለኣለማዊ ብስራት” ዘርእስቱ ኣሰምብሊ: ነቲ ዘለዓዕል ውሳነ ንምትሕልላፍ ምስ ክፍሊ ዮሃንስ ሓበሩ። እዚ ውሳነ እዚ ዓለም “ርእያቶ ዘይትፈልጥ ናይ ሽግራት ምንቅጥቃጥ ምድሪ የጓንፋ: ኵሉ ፖለቲካዊ ትካላትን ዘመናዊ ሃይማኖታዊ ባቢሎንን ፈርከሽከሽ ክብል ኢዩ” ኢሉ ኣወጀ። እቲ ውሳነ ኸኣ “ንዅሎም ህዝብታት ብዘይ ኣፈላላይ ብዛዕባ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽን: ብዛዕባ ፍርድታቱን ‘ዘለኣለማዊ ብስራት’ ምንጋር ክንቅጽል ኢና: ፍርድታቱ ኸኣ ንጸላእቱ ከም መዓት ነቶም ንኣምላኽ: ነቲ ፈጣሪ: ብቕቡል መገዲ ብመንፈስን ብሓቅን ከምልኹ ዝብህጉ ኸኣ ሓርነት ኢዩ” ዝብል መግለጺ ነበሮ። እዚ ውሳነ እዚ በቶም ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም እተገብረ 24 ኣሰምብሊታት እተኣከቡ 454,977 ተኣከብቲ ብውዕዉዕ ስምዒት ተቐባልነት ረኸበ: 95 ሚእታዊት ናይቶም ተኣከብቲ ኸኣ ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ኢዮም ነይሮም።

15. (ሀ) ብ2005 እቶም ዓቢ ጭፍራ ክንደይ ሚእታዊት ናይቲ የሆዋ ኣብቲ ግራት ዝጥቀመሉ ዘሎ ሓይሊ ኢዮም ነይሮም፧ (ለ) እቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 17:20, 21 ዘቕረቦ ጸሎት: እቶም ዓቢ ጭፍራ ምስቶም ክፍሊ ዮሃንስ ዘለዎም ሕብረት ዝገልጽ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

15 እቶም ዓቢ ጭፍራ: ነቲ መዓት ኣብ ልዕሊ ህዝበ-ክርስትያን ምኽዓው ምስ ክፍሊ ዮሃንስ ዘለዎም ምሉእ ሕብረት ብምእዋጅ ቀጺሎሞ ኢዮም። ብ2005 እዞም ዓቢ ጭፍራ ልዕሊ 99.8 ሚእታዊት ናይቲ የሆዋ ኣብቲ ግራት ዝጥቀመሉ ዘሎ ሓይሊ ነበሩ። ኣባላቱ ድማ ምስቶም የሱስ ኣብ ዮሃንስ 17:20, 21 “ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚአምኑ ድማ እምበር: ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለም: ንስኻ ኸም ዝለአኽካኒ: ምእንቲ ኽትአምንሲ: ዎ ኣቦይ: ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ: ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ: ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ: እልምን አሎኹ” ብምባል ብዛዕብኦም ዝጸለየ: ክፍሊ ዮሃንስ ብምሉእ ልቦም ስምምዕ ኢዮም። እቶም እተቐብኡ ክፍሊ ዮሃንስ ኣብ ትሕቲ የሱስ ኰይኖም ክመርሑ ከለዉ: እቶም ቅንኢ ዘለዎም ዓቢ ጭፍራ ኣብቲ ካብ ዛንታ ደቅሰብ ኣዝዩ መዕነዊ ዝዀነ ናይ ፈረሰኛታት ዕዮ ምስኦም ግደ ክህልዎም ኢዩ! c

16. (ሀ) ዮሃንስ ንኣፍን ጭራን ናይዞም ምሳልያውያን ኣፍራስ ብኸመይ ይገልጾ፧ (ለ) ኣፍ ናይ ህዝቢ የሆዋ ንኣገልግሎት ብኸመይ ኢዩ እተዳለወ፧ (ሐ) ‘ጭርኦም ኣትማን ምምሳሉ’ እንታይ ዘመልክት ኢዩ፧

16 እቶም ፈረሰኛታት ነቲ ውግእ ዝኸውን መሳርሒ የድልዮም ኢዩ። የሆዋ ነዚውን ምድላዉ ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ኰን ኢዩ! ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:- “ስልጣን እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ እሞ: እቲ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዚመስል: ኣራእስውን አለዎ: ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዚጐድኡ።” (ራእይ 9:19) የሆዋ ነቶም ውፉያትን ጥሙቓትን ኣገልገልቱ ነዚ ኣገልግሎት እዚ መዚዝዎም ኢዩ። ስልጣን ብዘለዎ መገዲ “ብናይ ምሁራት ልሳን” ምዝራብ ምእንቲ ክኽእሉ ብቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ካልእ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ኣብያተ-ትምህርትን ገይሩ ነቲ ቓል ከመይ ገይሮም ክሰብኩ ከም ዘለዎም ምሂርዎም ኢዩ። ቃላቱ ኣብ ኣፎም ኣንቢሩ: “ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት” እናኸዱ ንሰባት ፍርድታቱ ክነግሩ ኸኣ ለኣኾም። (2 ጢሞቴዎስ 4:2፣ ኢሳይያስ 50:4፣ 61:2፣ ኤርምያስ 1:9, 10፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:20) እቶም ክፍሊ ዮሃንስን እቶም ዓቢ ጭፍራን ከኣ ኣብቲ ከም ‘ጭራ’ ዝምሰል ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እተዘርግሐ መጽሓፍ ቅዱሳት: መጻሕፍቲ: ብሮሹራት: ከምኡውን መጽሔታት ዝርከብ ተናኻሲ መልእኽቲ ብድሕሪኦም ገዲፎም ከይዶም ኢዮም። ነቶም ‘ጕድኣት’ ካብ የሆዋ ቀልጢፉ ከም ዝመጾም መጠንቀቕታ ዝወሃቦም ተጻረርቶም ድማ: እዞም ሰራዊት ፈረሰኛታት እዚኣቶም ክልተ እልፊ ግዜ እልፊ ዀይኖም ኢዮም ዝርኣይዎም።—ምስ ዮኤል 2:4-6 ኣረኣእዮ።

17. እቲ ዕዮ ስለ እተኣገደ ጽሑፋት ክዕደል ኣብ ዘይክኣለሉ ሃገራት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዕዮ ፈረሰኛታት ዝዀነ ይኹን ግደ ኣለዎምዶ ኢዩ፧ ግለጾ።

17 ሓደ ኣዝዩ ቅንኢ ዘለዎ ክፍሊ ናይዞም ፈረሰኛታት እዚኣቶም ድማ በቶም ኣብቲ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተኣገደሉ ሃገራት ዝነብሩ ኣሕዋት ዝቖመ ኢዩ። እዚኣቶም ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ “ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ” ክዀኑ ኣለዎም። ንየሆዋ ስለ ዝእዘዝዎ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ምዝራብ ክሓድጉ ኣይክእሉን ኢዮም። (ማቴዎስ 10:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:19, 20፣ 5:28, 29, 32) ሒደት ዝዕደል ጽሑፋት ስለ ዘለዎም ወይ ድማ ጽሑፋት ዝበሃል ፈጺሙ ስለ ዘይብሎምሲ ኣብቲ ዕዮ ፈረሰኛታት ግደ የብሎምን ኢልና ክንድምድም ይግባእ ድዩ፧ ፈጺምና ክንድምድም ኣይግብኣናን ኢዩ! ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንኽነግሩ የሆዋ ኣፍን ስልጣንን ሂብዎም ኢዩ። ነዚ ንእግረ-መገዶምን ብዘእምን መገድን ገይሮም: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታት ብምጅማርን ከምኡውን ‘ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ብምምራሕን’ ይገብርዎ። (ዳንኤል 12:3) ብድሕሪኦም ኣጸቢቑ ዝትንክፍ ጽሑፋት ብምግዳፍ እኳ ብጭርኦም እንተዘይተናኸሱ: ብዛዕባ እቲ ዝቐርብ ዘሎ መዓልቲ ሕነ ኣምላኽ ብጥበብን ብምስትውዓልን ብምምስካሮም ካብ ኣፎም እቲ ምሳልያዊ ሓዊ: ትኪ: ከምኡውን ዲን የውጽኡ ኢዮም።

18. እዚ ናይ መዓት መልእኽቲ ብኽንደይ ቋንቋታትን ብዝሕን ኢዩ ብጽሑፍ እተዓደለ፧

18 ኣብ ካልእ ቦታታት እቲ ናይታ መንግስቲ ጽሑፋት ነቲ ባቢሎናዊ ሰረተ-እምነትን መገድታትን ናይ ህዝበ-ክርስትያን እናቃልዐ ብምሳልያዊ መገዲ እቲ ዝግብኣ ጕድኣት የውርደላ ኣሎ። እዋናዊ ዝዀነ ናይ ሕትመት ሜላታት ብምጥቃም እዞም ብዙሓት ፈረሰኛታት ኣብተን ቅድሚ 2005 ዝነበራ 68 ዓመታት ኣብ ምድሪ ብዝርከባ ልዕሊ 450 ቋንቋታት ብቢልዮናት ዝቝጸር ቅዳሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱሳት: መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ከምኡውን ብሮሹራት ክዕድሉ ክኢሎም ኢዮም: እዚ ኸኣ ካብቲ ቃል ብቓሉ ክልተ እልፊ ግዜ እልፊ ብዙሕ ግዜ እተዓጻጸፈ ኢዩ። ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እዚ ጭራ እዚ ዝናኸስ ዘሎ!

19, 20. (ሀ) እዚ ናይ መዓት መልእኽቲ ዒላምኡ ብፍላይ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን እኳ እንተዀነ: ገለ ካብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ቦታታት ሓሊፍካ ዘሎ ሃገራት ብኸመይ ኢዮም ምላሽ ዝሃቡ፧ (ለ) ሰባት ብሓፈሻ እንታይ ከም ዝገብሩ ዮሃንስ ከመይ ገይሩ ገለጾ፧

19 የሆዋ እዚ ናይ መዓት መልእኽቲ እዚ “ሲሶ ሰብ” ክቐትል ኢዩ ዕላምኡ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እታ ፍልይቲ ዒላምኡ: ህዝበ-ክርስትያን ኢያ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ግብዝና ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ፍሉጥ ዝዀነሉ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ቦታታት ሓሊፍካ ዘሎ ሃገራትውን በጺሑ ኢዩ። እቶም ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዝነብሩ ህዝቢ: ናይዛ ብልሽውቲ ሃይማኖታዊት ማሕበር መዓት ርእዮም ናብ የሆዋ ቐሪቦምዶ፧ ብዙሓት ናብ የሆዋ ቀሪቦም ኢዮም! ኣብ መንጎ እቶም ካብ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ጽልዋ ወጻኢ ዝዀና ከባቢታት ዝነብሩ ትሑታትን ፈቃራትን ሰባት: ምላሽ ተረኺቡ ኢዩ። ሰባት ብሓፈሻ ግን እንታይ ከም ዝገብሩ ክገልጽ ከሎ ዮሃንስ ከምዚ ይብል:- “እቶም በዘን መዓት እዚኣተን ከይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ከኣ: ንኣጋንንትን ነቶም ኪርእዩ: ወይስ ኪሰምዑ: ወይስ ኪኸዱ ዘይከአሎም ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ኣእማንን ኣዕጻውን ከይሰግዱ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን። ካብ ነፍሲ ምቕታሎም: ወይስ ካብ ኣስማቶም: ወይስ ካብ ምንዝርናኦም: ወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን።” (ራእይ 9:20, 21) ናይ ከምዚኣቶም ዝበሉ ዘይናስሑ ሰባት ናይ ብዘላ ዓለም ሃይማኖታዊ ለውጢ ኣይክህሉን ኢዩ። ኵሎም እቶም ኣብቲ እኩይ መገዶም ዝቕጽሉ: ኣብታ ዓባይ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ካብ የሆዋ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ክቕበሉ ኣለዎም። እንተዀነ ግን “ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።” ዮኤል 2:32፣ መዝሙር 145:20፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:20, 21

20 እዚ እተዘራረብናሉ ገለ ክፍሊ ናይቲ ኻልኣይ ወዮ ኢዩ። ኣብቲ ዝቕጽል ምዕራፋት ክንርእዮ ከም ዘሎና: እዚ ወዮ እዚ ቅድሚ ምውድኡ ብዙሕ ዝፍጸም ነገራት ኣሎ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እቲ “ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ” ዝምልከት ኣብታ ብሀንሪ ባርክለይ ስዌት እተዳለወት ኮመንታሪ ኦን ረቨለሽን እትብሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዘሎ ሓሳብ:- “እዚ ኣዝዩ ዓቢ ቝጽሪ እዚ ቃል ብቓሉ መፈጸምታ ከይንጽበ ይኽልክለና: እቲ ዝስዕብ መግለጺ ኸኣ ነዚ መደምደምታ እዚ ይድግፍ።”

b ኣብቲ ዝሓለፈ ካብ 119-26 ዘሎ ገጻት ርአ፣ ከምኡውን ነታ ብ1932 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ሳልሰይቲ መጽሓፍ ናይ ቪንዲከሽን ገጽ 83-4 ርአ።

c እዞም ዮሃንስ ዝረኣዮም ፈረሰኛታት ከምቶም ኣንበጣ “ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል” የብሎምን። (ራእይ 9:7) እዚ ኸኣ እቶም ሎሚ ዝበዝሕ ቍጽሪ ናይቶም ፈረሰኛታት ዘቝሙ ዓቢ ጭፍራ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ክነግሱ ተስፋ ከም ዘይገብሩ ዘርኢ ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 149 ዘሎ ስእሊ]

ብምንፋሕ ናይቲ ሻድሻይ መለኸት እቲ ኻልኣይ ወዮ ይጅምር

[ኣብ ገጽ 150, 151 ዘሎ ስእልታት]

እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ዕዮ ፈረሰኛታት ይመርሑ

[ኣብ ገጽ 153 ዘሎ ስእልታት]

እዞም ክቝጸሩ ዘይክእሉ ፈረሰኛታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ክቝጸር ዘይክእል ሚልዮናት ጽሑፋት ዓዲሎም

[ኣብ ገጽ 154 ዘሎ ስእልታት]

እቶም ዝተረፉ ሰባት ግን ኣይተነስሑን