ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ዝዓበየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ኣርእስቲ

እቲ ዝዓበየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ኣርእስቲ

ምዕራፍ 2

እቲ ዝዓበየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ኣርእስቲ

ንቕዱሳት ጽሑፋት ምትርጓሙ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተዓጽዩ ዘሎ ምስጢራት: ንቑንዓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንነዊሕ ኣስደሚምዎም ዝጸንሐ ኢዩ። ኣብቲ ምዱብ ግዜ ናይ ኣምላኽ: እቲ ምስጢራት ክፍታሕ ነበሮ: እንተዀነ ግን: ብኸመይ ኢዩ ዝፍታሕ: መዓስ: ከምኡውን ንመን ኢዩ ዝፍታሕ፧ እቲ ምዱብ ግዜ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ: መንፈስ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ነቲ ትርጕም ክገልጾ ዝኽእል። (ራእይ 1:3) ፍርድታቱ ንኻልኦት ንምንጋር ምእንቲ ክብርትዑ: እቲ ቅዱስ ምስጢራት ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቀናኣት ባሮት ኣምላኽ ኢዩ ዝግለጸሎም። (ማቴዎስ 13:10, 11) እቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺታት ፈጺሙ ጌጋ ዘይብሉ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ዮሴፍ ዝበሎ: ንሕናውን: “እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚአብሄርዶ ኣይኰ[ነን]፧” ንብል ኣሎና። (ዘፍጥረት 40:8) ምስናይ እዚ ግን: እቲ ኣብዚ ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺታት: እቲ መለኮታዊ ትንቢት ብልክዕ ምስ እዚ ኣብዚ ቀዛፊ ግዜና ዘሎ ኵነታት ዓለም ብምስምማዕ ከመይ ኢሉ ይፍጸም ከም ዘሎ ብምርኣይ: ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉእ ከም ዝሰማማዕ ኣጸቢቕና ንኣምን ኢና።

1. ናይ የሆዋ ዓቢ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧

 ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ: “ካብ መጀመርታ ነገር መወዳእታኡ ይሐይሽ” ይብል። (መክብብ 7:8) እቲ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኵሎም ፍጡራት ስሙ ንምቕዳስ ዘለዎ ዓቢ ዕላማ ፍጻሜኡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ኢና እንረኽቦ። ከምቲ ኣምላኽ ብሓደ ካብቶም ቀዳሞት ነብያቱ ገይሩ: ደጊሙ ደጋጊሙ “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም” ዝበሎ ኢዩ።—ህዝቅኤል 25:17፣ 38:23

2. መጽሓፍ ራእይ: ምስ ቀዳሞት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ኰይና: ከመይ ዝበለ ዘዕግብ ፍልጠት ክንረክብ ኢያ እትሕግዘና፧

2 ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ራእይ ነቲ ዕዉት መወዳእታ ናይቲ ኵነታት እትገልጾ: ኣጀማምርኡ ድማ ኣብተን ቀዳሞት መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹልና ኣሎ። ነዚ መዝገብ እዚ ብምምርማር ድማ ነቲ ዘሎ ክርክራት ክንርድኦ ከምኡውን ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ሓፈሻዊ ሓሳባት ክንረክብ ክንክእል ኢና። ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዘዕግብ ኰን ኢዩ! ብተወሳኺ: ኣብቲ ንደቅሰብ ዝጽበዮም ዘሎ ዘደንቕ መጻኢ ተኻፈልቲ ምእንቲ ክንከውን: ስጕምቲ ንኽንወስድ ከለዓዕለና ኣለዎ። (መዝሙር 145:16, 20) ኣብዚ ደረጃ እዚ እምበኣር እቲ ሎሚ ንዅሎም ደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ዓቢ ክርክር: ከምኡውን ነዚ ክርክር እዚ ንምፍታሕ ብንጹር እተገልጸ ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኣብ ሓሳብና ንምሓዝ: ኣመዓባብላን ቀንዲ ኣርእስትን ናይ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተመያየጥናሉ ግቡእ ኢዩ።

3. ከመይ ዝበለ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ትንቢት ኢዩ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ራእይን ኰይኑ ዘሎ፧

3 ዘፍጥረት: እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀዳመይቲ መጽሓፍ: ብዛዕባ ‘መጀመርታ’ ትዛረብ ከምኡውን ነቲ ቐንዲ ምድራዊ ፍጥረቱ ዝዀነ ሰብ ሓዊስካ: ናይ ኣምላኽ ናይ ፍጥረት ስርሓት ትገልጽ። ዘፍጥረት: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ባዕሉ 6,000 ዓመታት ይገብር ኣብ ገነት ኤደን ዝሃቦ ናይ መጀመርታ መለኮታዊ ትንቢት እውን ትገልጽ ኢያ። ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ: ሄዋን: ንምትላል ተመን ከም መሳርሒ ዓዩ ኢዩ፣ ንሳ ድማ ብግዲኣ ንኣዳም ሰብኣያ “ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ብምብልዓ ዝገበረቶ ምጥሓስ ሕጊ የሆዋ ክሓብራ ኣእመነቶ። ኣብ ልዕሊ እቶም ሓጢኣተኛታት ሰብኣይን ሰበይትን ፍርዲ ከመሓላልፍ ከሎ: ኣምላኽ ነቲ ተመን ከምዚ በሎ:- “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።” (ዘፍጥረት 1:1፣ 2:17፣ 3:1-6, 14, 15) እዚ ትንቢት እዚ ኸኣ ኢዩ ንመጽሓፍ ራእይ እውን ሓዊስካ: ቀንዲ ኣርእስቲ ናይ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ዘሎ።

4. (ሀ) ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ትንቢት ምስ ኣውስአ: ነቶም ቀዳሞት ወለድና እንታይ ኣጋጠሞም፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ትንቢት ከመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢዮም ዝለዓሉ: ነቲ መልስታት ምፍላጥ ዘድልየናኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ኣምላኽ ነቲ ትንቢት ምስ ኣውስአ: ብኡንብኡ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ካብ ኤደን ሰጐጎም። ካብኡ ንደሓር: ኣብ ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ኢሎም ኣይጽበዩን ኢዮም ነይሮም፣ ህይወቶም ኣብታ ኣብ ወጻኢ ዝነበረት ዘይተዳለወት ምድሪ ኢዮም ከሕልፍዎ ነይርዎም። ኣብ ትሕቲ ናይ ሞት ፍርዲ ኰይኖም: ሓጢኣት እተሰከሙ ቈልዑ ክወልዱ ነበሮም። (ዘፍጥረት 3:23–4:1፣ ሮሜ 5:12) ይኹን እምበር: እቲ ናይ ገነት ኤደን ትንቢት እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣብኡ እቱዋትከ መን ኢዮም፧ ምስ መጽሓፍ ራእይኸ ብኸመይ ይተሓሓዝ፧ ሎሚኸ ንዓና እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዘለዎ፧ ካብ ሳዕቤናት ናይቲ የሆዋ ነዚ ትንቢት እዚ ከም ዘውስእ ዝገበሮ ዘሕዝን ፍጻሜ ብሕታዊ ዕረፍቲ ምእንቲ ክንረክብ: መልሲ ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም ምፍላጥ ኣድላዪ ጕዳይ ኢዩ።

ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይቲ ድራማ

5. እቲ ተመን ንሄዋን ምስ ኣታለላ: ብዛዕባ ሉዓላውነትን ስምን ኣምላኽ እንታይ ተላዕለ: እቲ ክርክርከ ብኸመይ ኢዩ ዝፍታሕ፧

5 እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዘሎ ትንቢት: ነቲ ንሄዋን ብዘይምእዛዛ ከም ዘይትመውት: ኣብ ክንድኡ ግን ዝእውዳ ዘይብላ ሓራ ዝዀነት ኣንስተይቲ ኣምላኽ: ከም እትኸውን ገይሩ ሓሶት ዝነገራ ተመን ኢዩ እተባህለሉ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ተመን ንኣምላኽ ሓሳዊ ገበሮ ከምኡውን ሰባት ነቲ ዝለዓለ መሪሕነት የሆዋ ነጺጎም ባዕሎም ዕድሎም ከመሓይሹ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ሓሳባት ቀረጸ። (ዘፍጥረት 3:1-5) ሉዓላውነት የሆዋ ተደፍረ: እቲ ጽቡቕ ስሙ ድማ ተበላሸወ። መጽሓፍ ራእይ: እቲ ጻድቕ ፈራዲ: የሆዋ: በታ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ ገይሩ ብኸመይ ሉዓላውነቱ ከም ዘረጋግጽን ንስሙ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ጸርፍታት ከም ዘጽርን ትገልጽ ኢያ።—ራእይ 12:10፣ 14:7

6. መጽሓፍ ራእይ ነቲ ብተመን ገይሩ ንሄዋን እተዛረባ ፍጡር ብኸመይ ትገልጾ፧

6 እታ “ተመን” እትብል ስያመ: ኣብቲ ቃል ብቓሉ ተመን ጥራይ ድያ እትውዕል፧ ፈጺማ ኣይኰነትን! መጽሓፍ ራእይ ነቲ ብተመን ገይሩ እተዛረበ ሕሱር መንፈሳዊ ፍጡር መንነቱ ትገልጾ ኢያ። “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ኢዩ: “ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ።”—ራእይ 12:9፣ 2 ቈረንቶስ 11:3

7. እታ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተጠቒሳ ዘላ ሰበይቲ: ናይ መንፈሳዊ ግዝኣት ክፍሊ ምዃና እንታይ ይሕብር፧

7 ዘፍጥረት 3:15 ቀጺላ ብዛዕባ ‘እታ ሰበይቲ’ ትዛረብ። ንሳኸ ሄዋን ድያ ነይራ፧ ምናልባት ንዓኣ ከምኡ መሲልዋ ነይሩ ይኸውን። (ምስ ዘፍጥረት 4:1 ኣረኣእዮ።) እንተዀነ ግን: ሄዋን ልዕሊ 5,000 ዓመታት ይገብር ምስ ሞተት: ኣብ ሞንጎ ሄዋንን ሰይጣንን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ ጽልኢ ክትከል ኣይተኻእለን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እቲ የሆዋ እተዛረቦ ተመን ሓደ ዘይርአ መንፈስ ካብ ኰነ: እታ ሰበይቲውን ናይ መንፈሳዊ ግዝኣት ክፍሊ ክትከውን ከም ዘለዋ ትጽቢት ክንገብር ይግባእ። ነዚ ኸኣ ራእይ 12:1, 2 እታ ምሳልያዊት ሰበይቲ: እታ ብመንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመት ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ ከም ዝዀነት ተረጋግጾ ኢያ።—ኣብ ኢሳይያስ 54:1, 5, 13 እውን ርአ።

ክልተ ዝጻረሩ ኣዝርእቲ

8. ሕጂ ኣብቲ ብዛዕባ እዞም ክልተ ኣዝርእቲ ዝበሃል ዘሎ ኣዕሚቝና ክንግደስ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ዘፍጥረት 3:15 ቀጺላ ብዛዕባ ክልተ ኣዝርእቲ ኢያ እትዛረብ። ብዛዕባ እዚኣቶም ኣጸቢቕና ክንግደስ ይግብኣና: ምኽንያቱ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ክህሉ ዘለዎ ሕጋዊ ሉዓላውነት ዝምልከት ዝዓበየ ክርክር እተዛመዱ ኢዮም። እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍና: ንኣሽቱ ንዅን ዓበይቲ: ዘጠቓልል ኢዩ። ካብዞም ኣዝርእቲ ንመኖም ኢኻ እትድግፍ፧

9. ዘርኢ እቲ ተመን ብርግጽ ንመን ዘጠቓልል ኢዩ፧

9 ብመጀመርታ ዘርኢ: ወይ ውሉድ ተመን ኢዩ ዘሎ። እዚ መን ኢዩ፧ እቶም ንሰይጣን ኣብ ዕልወቱ ዝሓበርዎ እሞ ኣብ መወዳእታ ድማ ‘ምስኡ ናብ ምድሪ እተደርበዩ’ ካልኦት መንፈሳውያን ፍጡራት ከም ዘጠቓልል ርግጽ ኢዩ። (ራእይ 12:9) ሰይጣን: ወይ ብኤልዜቡል ‘ሓለቓ ኣጋንንቲ’ ስለ ዝዀነ: እዚኣቶም ነታ ዘይትርአ ማሕበር ሰይጣን ከም ዘቝሙ ፍሉጥ ኢዩ።—ማርቆስ 3:22፣ ኤፌሶን 6:12

10. መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ከም ክፍሊ ዘርኢ ሰይጣን ገይሩ ዝገልጾም ብኸመይ ኢዩ፧

10 ብተወሳኺ ኸኣ: የሱስ ነቶም ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት: “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም:” በሎም። (ዮሃንስ 8:44) እቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት: ነቲ ወዲ ኣምላኽ የሱስ ብምጽራሮም ንሳቶምውን ውሉድ ሰይጣን ምዃኖም ኣርኣዩ። ከም ምሳልያዊ ኣቦኦም ገይሮም ብምግልጋል ድማ: ክፍሊ ዘርኢ ሰይጣን ነበሩ። ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ: ብዙሓት ካልኦት ሰባት ፍቓድ ሰይጣን ብምግባር: ብፍላይ ከኣ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብምጽራርን ብምስጓጕን: ንገዛእ ርእሶም ብተመሳሳሊ መገዲ ውሉድ ሰይጣን ምዃኖም ኣመስኪሮም ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብሓባር: ነታ ኣብ ምድሪ ዘላ እትርአ ማሕበር ሰይጣን ከም ዘቝሙ ገይርካ ክግለጹ ይከኣል ኢዩ።—ዮሃንስ 15:20፣ 16:33፣ 17:15 ርአ።

ዘርኢ እታ ሰበይቲ ተፈልጠ

11. ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት: ኣምላኽ ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ብዝምልከት እንታይ ኢዩ ዝገለጸ፧

11 እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዘሎ ትንቢት ኣብ መጨረሽታ ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ይጠቅስ። ሰይጣን ነቲ ናቱ ዘርኢ ከዕቢ ከሎ: የሆዋ ድማ ነታ ናቱ ‘ሰበይቲ:’ ወይ ከም ሰበይቱ እትምሰል ሰማያዊት ማሕበር: ዘርኢ ንኽትህብ የዳልዋ ነበረ። ንገለ 4,000 ዓመታት ዝኸውን የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘርኢ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ እዙዛት ሰባት ብቐጻሊ ገሊጹሎም ኢዩ። (ኢሳይያስ 46:9, 10) ስለዚ ኸኣ ኣብርሃም: ይስሃቅ: ያእቆብ: ከምኡውን ካልኦት: እቲ ዘርኢ ካብ መስመር ወለዶኦም ከም ዝመጽእ ኣብቲ መብጽዓ እምነት ክገብሩ ከኣሉ። (ዘፍጥረት 22:15-18፣ 26:4፣ 28:14) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣገልገልቲ የሆዋ: ዘይትነቓነቕ እምነት ስለ ዝነበረቶም ሰይጣንን ሰዓብቱን መብዛሕትኡ ግዜ የሳጕጕዎም ነይሮም ኢዮም።—እብራውያን 11:1, 2, 32-38

12. (ሀ) እቲ ቀንዲ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ዝመጸ መዓስን ምስ ከመይ ዝበለ ፍጻመን ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ እተቐብአ፧

12 ኣብ መወዳእታ: ኣብ 29 ናይ ኣቈጻጽራ ዘበንና: እቲ ፍጹም ሰብ የሱስ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ገዛእ ርእሱ ኣቕረበ: ተጠምቀ ድማ። ኣብኡ ኸኣ የሆዋ “ብእኡ ዝሰመርኩ [“ኣነ ዝሰመርክዎ:” NW] ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ብምባል ንየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ወለዶ። (ማቴዎስ 3:17) ኣብኡ ኸኣ ኢዩ የሱስ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መንፈሳዊት ማሕበር ኣምላኽ ምልኣኹ እተጋህደ። ንጉስ ናይታ ንምምሕዳር ወይ ንሉዓላውነት ዝምልከት ክርክር ሓንሳእን ንሓዋሩን ብምፍታሕ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብስም ኣምላኽ ክህሉ ዘለዎ ግዝኣት እትመልስ ሰማያዊት መንግስቲ ኰይኑ እውን ተቐቢኡ ኢዩ። (ራእይ 11:15) ስለዚ ኸኣ የሱስ: እቲ ቀንዲ ዘርኢ እታ ሰበይቲ: እቲ ኣቐዲሙ ተነጊሩሉ ዝነበረ መሲህ ኢዩ።—ምስ ገላትያ 3:16፣ ዳንኤል 9:25 ኣረኣእዮ።

13, 14. (ሀ) ዘርኢ እታ ሰበይቲ ሓደ ፍሉጥ ሰብ ጥራይ ከም ዘይከውን ምምሃርና ከገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣምላኽ: ካልኣይ ክፍሊ እቲ ዘርኢ ንክዀኑ ካብ ማእከል ደቅሰብ ክንደይ መረጸ: እንታይ ዓይነት ማሕበርከ ኢዮም ዘቝሙ፧ (ሐ) ምስቲ ዘርኢ ሓቢሮም ዘገልግሉ ካልኦት መን ኢዮም፧

13 ዘርኢ እታ ሰበይቲኸ ሓደ ፍሉጥ ሰብ ጥራይ ድዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ዘርኢ ሰይጣንከ ደኣ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: ዘርኢ ሰይጣን ጭፍራ እኩያት መላእኽትን እቶም ንኣምላኽ ዘሕስሩ ሰባትን ምዃኖም ኢዩ ዝገልጽ። ስለዚ እምበአር: ኣምላኽ ምስቲ መሲሓዊ ዘርኢ: የሱስ ክርስቶስ: ክህነት ዘለዎም መጋዝእቱ ዝዀኑ ንጽህንኦም ዝሕልዉ 144,000 ካብ ማእከል ደቅሰብ ከም ዝመርጽ ዝገልጽ ዕላምኡ ምምሃርና ከገርመና የብሉን። መጽሓፍ ራእይ: ድያብሎስ ምስታ ብሰበይቲ እትምሰል ናይ ኣምላኽ ማሕበር ብዘለዎ ጽልኢ ተለዓዒሉ: “ምስቶም . . . ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ” ብምባል ነዚ ገሊጻቶ ኣላ።—ራእይ 12:17፣ 14:1-4

14 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣሕዋት ክርስቶስ ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ: ከም ኣሕዋቱ መጠን ድማ ሕደ ኣቦን ኣደን ኣለዎም። (እብራውያን 2:11) ኣቦኦም የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኣዲኦም ‘እታ ሰበይቲ:’ እታ ከም ሰበይቲ ኣምላኽ ተመሲላ ዘላ ሰማያዊት ማሕበር: ክትከውን ኣለዋ። ክርስቶስ የሱስ እቲ ቀዳማይ ክፍሊ ናይቲ ዘርኢ ብምዃን: ንሳቶም ከኣ ካልኣይ ክፍሊ ኢዮም። ጉባኤ ናይዞም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብመንፈስ እተወልዱ ክርስትያናት ድማ ነታ ኣብ ምድሪ ዘላ: ኣብ ትሕቲ እታ ንሳቶም ምስ ተንስኡ ምስ ክርስቶስ ክሓብሩላ ዘለዎም ኣብ ሰማይ ዘላ ንሰበይቲ እትምሰል ማሕበር ኰይና እትሰርሕ: እትርአ ማሕበር ኣምላኽ ተቕውም። (ሮሜ 8:14-17፣ ገላትያ 3:16, 29) ክፍሊ እቲ ዘርኢ እንተ ዘይኰኑ’ኳ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካብ ኵሎም ህዝብታት እተዋጽኡ ካልኦት ኣባጊዕ: ምስታ ኣብ ምድሪ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ሓቢሮም ንኸገልግሉ ይመጹ ኣለዉ። ንስኻኸ ሓደ ካብዞም ካልኦት ኣባጊዕ ዲኻ፧ ስለዚ እቲ ዘሐጕስ ተስፋኻ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ምርካብ ኢዩ።—ዮሃንስ 10:16፣ 17:1-3

ጽልኢ ብኸመይ ከም ዝማዕበለ

15. (ሀ) ኣመዓባብላ ናይቲ ሰብኣውን ናይ መላእኽትን ዘርኢ ሰይጣን ግለጾ። (ለ) ብግዜ ኖህ ኣብ ዝነበረ ማይ ኣይሂ: ነቲ ዘርኢ ሰይጣን እንታይ ኣጋጠሞ፧

15 እቲ ናይ ሰይጣን ሰብኣዊ ዘርኢ: ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ኣቐዲሙ ኢዩ ክፍለጥ ጀሚሩ። ንኣብነት: እቲ “ኻብ እኩይ ዝነበረ: ንሓዉ [ኣቤል] ኸኣ ዝቐተለ” ቃየል: ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ ውሉድ: ዘርኢ ሰይጣን ነበረ። (1 ዮሃንስ 3:12) ጸኒሑ: ሄኖክ የሆዋ “ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ” ክመጽእ: “ነቶም ፍርሃት እግዚአብሄር ዜብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕባኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም” ምዃኑ ተዛረበ። (ይሁዳ 14, 15) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: ዓለወኛታት መላእኽቲ ንሰይጣን ሓበርዎ እሞ ናይ ዘርኡ ክፍሊ ድማ ኰኑ። እዚኣቶም ስጋዊ ኣካል ለቢሶም ኣዋልድ ሰብ ምእንቲ ክምርዓዉ: ነቲ ኣብ ሰማያት ዝነበረ ‘ሰፈሮም ሓደጉ።’ ልዕሊ ሰብ ዝዀኑ: ንጉዓት ደቓሉ ወለዱ። እታ ዓለም እቲኣ ብዓመጽን እከይን ስለ ዝመልአት ድማ: ኣምላኽ ብማይ ኣይሂ ገይሩ ኣጥፍኣ: ካብ ደቂ ሰብ ከኣ እቲ እሙን ኖህን ስድራቤቱን ጥራይ ደሓኑ። እቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ—ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዘለዉ ኣጋንንቲ—ነተን ንሞት እተፈርዳ ሰብኣውያን ኣንስቶምን ደቓሉ ደቆምን ጠንጢኖም ክኸዱ ተገደዱ። ነቲ ለቢሶምዎ ዝነበሩ ስጋ ቀይሮም: ናብቲ ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ዘርኡን ክወርድ ዘለዎ ብቕልጡፍ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ፍርዲ ኣምላኽ ዝጽበይሉ መንፈሳዊ ግዝኣት ተመልሱ።—ይሁዳ 6፣ ዘፍጥረት 6:4-12፣ 7:21-23፣ 2 ጴጥሮስ 2:4, 5

16. (ሀ) ድሕሪ ማይ ኣይሂ: ከመይ ዝበለ ጨቋኒ ኢዩ እተቐልቀለ: ክፍሊ ዘርኢ ሰይጣን ምዃኑኸ ብኸመይ ኣርኣየ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ሃነጽቲ ግምቢ ባቢሎን ዝበሃሉ ብኸመይ ዓናቐፎም፧

16 ድሕሪ ማይ ኣይሂ ቅሩብ ጸኒሑ ድማ: ሓደ ኒምሮድ እተባህለ ጨቋኒ ሰብ ኣብ ምድሪ መጸ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር [“ኣንጻር የሆዋ” NW] ጅግና ሃዳኒ” ከም ዝነበረ ይገልጾ: ብሓቂ ኸኣ ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ኢዩ ነይሩ። ከም ሰይጣን መንፈስ ዕልወት ብምርኣይ: ኣንጻር እቲ የሆዋ ደቅሰብ ፋሕ ኢሎም ንምድሪ ክመልእዋ ዝነበሮ ዕላማ: ንኸተማ ባቤል ወይ ባቢሎን ሃነጸ። ናይ ባቢሎን ማእከል ድማ “ርእሱ ሰማይ ዚጥንቍር” ዓቢ ግምቢ ኰይኑ ክህነጽ ነበሮ። ኣምላኽ ከኣ ነቶም ናይቲ ግምቢ ሃነጽቲ ዝበሃሉ ዓናቐፎም። ንቛንቋኦም ደባለቖ ከምኡውን “ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም:” ንባቢሎን ግን ትጽናሕ ሓደጋ።—ዘፍጥረት 9:1፣ 10:8-12፣ 11:1-9

ፖሊቲካውያን ሓይልታት ይቕልቀሉ

17. ደቅሰብ ምስ በዝሑ: ከመይ ዝበለ ብልሽው መዳያት ናይ ማሕበረሰብ ኢዩ እተራእየ: ከም ሳዕቤን ናይዚኸ እንታይ ዓበይቲ ሃጸያት ኢዮም ዝተንስኡ፧

17 ኣብ ባቢሎን ኣንጻር ሉዓላውነት የሆዋ ዝምዕብሉ ናይ ማሕበረሰብ ጠባያት ተቐልቀሉ። ሓደ ካብዚኣቶም ድማ ፖሊቲካ ኢዩ ነይሩ። ደቅሰብ እናበዝሑ ብዝኸዱ መጠን ከኣ ካልኦት ህንጡያት ሰባት ስልጣን ኣብ ምሓዝ ናይ ኒምሮድ ኣብነት ተኸተሉ። ሰብ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ክገዝእ ጀመረ። (መክብብ 8:9) ንኣብነት ኣብ ግዜ ኣብርሃም: ሰዶም: ጎመራ: ከምኡውን እተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ከተማታት ኣብ ኢድ ነገስታት ሲንኣርን ካልኦት ርሑቓት ሃገራትን ወደቓ። (ዘፍጥረት 14:1-4) ቀስ እናበሉ ድማ: እቶም ወተሃደራውን ምምሕዳራውን ክእለታት ዝነበሮም ንናይ ገዛእ ርእሶም ብልጽግናን ክብርን ክብሉ ዓበይቲ ሃጸያት ኣቘሙ። መጽሓፍ ቅዱስ ንበዓል ግብጺ: ኣሶር: ባቢሎን: ሜዶንን-ፋርስን: ግሪኽ: ከምኡውን ሮሜ ሓዊስካ ንገለ ካብኣቶም ይጠቅስ ኢዩ።

18. (ሀ) ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ፖሊቲካውያን መራሕቲ እንታይ ኣረኣእያ ኢዮም ዝሕዙ፧ (ለ) ሓድሓደ ግዜ ፖሊቲካውያን ሰበ-ስልጣናት: ንድሌት ኣምላኽ ዘገልገሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ሐ) ብዙሓት መራሕቲ: ንገዛእ ርእሶም ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧

18 የሆዋ ንህላወ ናይቶም ነገስታት እቲኣቶም ተጻዊርዎ ኢዩ: እቶም ኣብቲ ንሳቶም ዝቈጻጸርዎ ሃገራት ዝነበሩ ኣገልገልቱ እውን ተዛማዲ ዝዀነ ምእዛዝ የርእዩ ነይሮም ኢዮም። (ሮሜ 13:1, 2) ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ፖሊቲካውያን ሰበ-ስልጣናት ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ወይ ንህዝቡ ከም መዕቈቢ ኣብ ምዃን እውን ከይተረፈ ኣገልጊሎም ኢዮም። (እዝራ 1:1-4፣ 7:12-26፣ ግብሪ ሃዋርያት 25:11, 12፣ ራእይ 12:15, 16) እንተዀነ ግን: ብዙሓት ፖሊቲካውያን መራሕቲ ንገዛእ ርእሶም ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ከም ዝዀኑ ብምርኣይ ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣጸቢቖም ተጻሪሮምዎ ኢዮም።—1 ዮሃንስ 5:19

19. ኣብ መጽሓፍ ራእይ ሓይልታት ዓለም ብኸመይ ኢዮም ተገሊጾም ዘለዉ፧

19 ኣብ ዝበዝሕ መዳያት: ግዝኣት ሰብ ንዓና ሰባት ሓጐስ ኣብ ምምጻእ ወይ ሽግራትና ኣብ ምፍታሕ: ብዘሕዝን ኵነታት ኢዩ ሰኒፉ። የሆዋ ንወድሰብ ኵሉ ዓይነት ምምሕዳር ክፍትን ኣፍቂዱሉ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ንብልሽውና ወይ ነቲ መንግስታት ንሰባት ብዘይግቡእ ዝመርሕሉ መገዲ ኣይሰምሮን ኢዩ። (ምሳሌ 22:22, 23) መጽሓፍ ራእይ ንጨቈንቲ ሓይልታት ዓለም ከም ሓደ ዕቡይን ሕሱምን ኣራዊት ገይራ ትገልጾም።—ራእይ 13:1, 2

ስሱዓት ዘይሕጋውያን ነጋዶ

20, 21. እኩያት ዘርኢ ሰይጣን ከም ምዃኖም መጠን ምስቶም ‘ሓለቓታትን ሓያላትን’ ክጽንበሩ ዘለዎም ካልኣይ ጕጅለ ኣየኖት ኢዮም: ስለምንታይከ፧

20 ምስቶም ፖለቲካውያን መራሕቲ ጥብቂ ምትእስሳር ዘለዎም ብሓቅነት ዘይሰርሑ ዘይሕጋውያን ናይ ኣቝሑ ነጋዶ ድማ ተቐልቀሉ። ኣብ ዑናታት ጥንታዊት ባቢሎን ተዃዒቱ እተረኽበ መዛግብቲ ከም ዝሕብሮ እቶም ናይ ነጋዶ ማሕበራት ነቲ ሽዑ ዝነበረ ዘይምቹእ ኵነታት ናይ ብጾቶም ይብዝብዝዎ ከም ዝነበሩ ኣብቲ እዋን እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ናይ ዓለም ነጋዶ ክሳዕ እዚ ግዜና ንስሱዕ ረብሓ ምስራሕ ቀጺሎም ኢዮም: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከኣ መብዛሕትኡ ናይቲ ህዝቢ ብድኽነት ክሳቐ ከሎ: ውሑዳት ግን ኣዝዮም ሃብታማት ኰይኖም ኣለዉ። ኣብዚ ኢንዱስትርያዊ መዋእል: ነጋዶን ኣፍረይትን: ነዚ ሕጂ ኣዝዩ ዜተሓሳስብ ኰይኑ ዘሎ ጃምላዊ ጥፍኣት ዜስዕብ ኣጽዋር ሓዊስካ: እተኸዘነ እኩይ ናይ ዕንወት ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ንፖሊቲካውያን ሓይልታት ብምቕራብ ብዙሕ መኽሰብ ይረኽቡ ኣለዉ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ጽልዋ ዘለዎም ስሱዓት ነጋዶን ንዓኣቶም ዝመስሉ ካልኦትን: እኩያት ዘርኢ ሰይጣን ከም ምዃኖም መጠን ምስቶም ‘ሓለቓታትን ሓያላትን’ ክጽንበሩ ኣለዎም። ኵላቶም: ክፍሊ ናይታ ኣምላኽን ክርስቶስን ጥፍኣት ከም ዝግብኣ ዝፈረድዋ ምድራዊት ማሕበር ኢዮም።—ራእይ 19:18

21 ኣብ ርእሲ እቲ ብልሹው ፖለቲካን ስሱዕ ናይ ንግዲ ተግባራትን: ናይ ኣምላኽ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ክወርዶ ዘለዎ ናይ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ሳልሳይ ክፍሊ እውን ክውሰኾ ኣለዎ። እዚኸ ኣየናይ ኢዩ፧ በቲ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እዚ ፍሉጥ ዓለምለኻዊ ትካል እዚ እትህቦ ጸብጻብ ትግረም ትኸውን።

ዓባይ ባቢሎን

22. ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን እንታይ ዓይነት ሃይማኖት ኢዩ ዝማዕበለ፧

22 እታ ናይ መጀመርታ ባቢሎን ክትህነጽ እተደልየሉ ምኽንያት ካብ ፖሊቲካዊ ጕዳይ ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። እታ ከተማ ኣንጻር ሉዓላውነት የሆዋ እተሃንጸት ብምንባራ: ሃይማኖት እውን ኣብኡ እቱው ኢዩ ነይሩ። ብርግጽ ከኣ: ጥንታዊት ባቢሎን መበቈል ናይ ጣኦታዊ ሃይማኖት ኰይና ኢያ። ኣቕሽሽታ: ሰብ ምስ ሞተ ነፍሱ ምንባር ትቕጽል ኢያ: ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣጋንንቲ ዝዀነ ንዘለኣለም ዘሰምብድን ዘሳቕን ቦታ ከም ዘሎ ዝገልጽ ዝኣመሰለ ንኣምላኽ ዘሕስር ሰረተ-እምነታት መሃሩ። ንፍጡራት ምምላኽ ከምኡውን ንኣእላፋት ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣማልኽቲ ምምላኽ ዝኣመሰለ ነገራት ኣተባብዑ። ናይ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ሰብን ኣመጻጽኣ ንምግላጽ ጽውጽዋያት ኣለሙ: ከምኡውን ኣብ ቈልዑ ምውላድን እኽሊ ምዝራእን ዘሎ ፍረ ርግጸኛ ንምግባር: ኣብ ውግእ ዓወት ከም ዝረኽቡ ንምርግጋጽ: ዘዋርድ ጽምብላትን መስዋእትታትን ገበሩ።

23. (ሀ) እቶም ህዝቢ ካብ ባቢሎን ፋሕ ክብሉ ከለዉ: ምሳታቶም እንታይ ኢዮም እተማልኡ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧ (ለ) መጽሓፍ ራእይ ነዚ ናይ መላእ ዓለም ሃጸይ ዘሎ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ ኢላ ኢያ እትጽውዖ፧ (ሐ) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኵሉ ግዜ ኣንጻር እንታይ ኢዩ እተቓለሰ፧

23 እቶም እተፈላለዩ ናይ ቋንቋ ጕጅለታት ካብ ባቢሎን ናብ ምልእቲ ምድሪ ፋሕ ክብሉ ከለዉ: ነቲ ባቢሎናዊ ሃይማኖት ምስኦም ተማልእዎ። ስለዚ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኣውሮጳ: ኣፍሪቃ: ኣመሪካ: ርሑቕ ምስራቕ: ከምኡውን ደቡባዊ ባሕርታት ዝነበሩ ናይ መጀመርታ ነበርቲ: ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ንዝነበረ ዝመሳሰል ወግዕታትን እምነታትን ክዕምብብ ጀመረ፣ ብዙሓት ካብዞም እምነታት እዚኣቶም ድማ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ይቕጽሉ ኣለዉ። ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ራእይ ነዚ ናይ መላእ ዓለም ሃጸይ ኰይኑ ዘሎ ሓሶት ሃይማኖት: ከም ሓንቲ ዓባይ ባቢሎን እትበሃል ከተማ ገይራ ክትገልጾ ዝሰማማዕ ኢዩ። (ራእይ ምዕራፍ 17, 18) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ እተዘርኣሉ ዘበለ ዅሉ ድማ ጨቋኒ ቤተ-ክህነት: ማሪት: ድንቍርና: ከምኡውን ዘይስነ-ምግባራውነት ኢዩ ኣፍርዩ። ኣብ ኢድ ሰይጣን ዘሎ ሓያል መሳርሒ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ዓባይ ባቢሎን ወርትግ ኣንጻር ኣምልኾ ናይቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ኣበርቲዓ ኢያ እትቃለስ።

24. (ሀ) እቲ ተመን ንዘርኢ እታ ሰበይቲ ‘ሸዀንኡ’ ክነኽሶ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ናይቲ ዘርኢ እታ ሰበይቲ መንከስቲ ከም ናይ ሸዀና ምቝሳል ጥራይ እተገልጸ ስለምንታይ ኢዩ፧

24 እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፈለ-ዘበን ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን: ቀንዲ ክውቀሱ ዘለዎም ክፍሊ ዘርኢ እቲ ተመን ብምዃን: ነቲ ቀዳማይ ወኪል ዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣብ ምስጓግን ኣብ መወዳእታ ድማ ምቕታልን መሪሕነት ወሰዱ። በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ተመን ‘[ነቲ “ዘርኢ”] ሸዀንኡ ክነኽሶ’ ኸኣለ። (ዘፍጥረት 3:15፣ ዮሃንስ 8:39-44፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:12, 15) እዚ ከም ናይ ሸዀና ምቝሳል ጥራይ እተገልጸ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ኸኣ እዚ ምቝሳል እዚ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ስለ ዝተንከፎ ኢዩ። የሆዋ ንየሱስ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ ናብ መንፈሳዊ ህይወት ልዕል ስለ ዘበሎ: ነባሪ ቍስሊ ኣይነበረን።—ግብሪ ሃዋርያት 2:32, 33፣ 1 ጴጥሮስ 3:18

25. (ሀ) እቲ ኣብ ክብሩ እተቐመጠ የሱስ: ድሮ ኣንጻር ሰይጣንን መላእኽቱን ስጕምቲ ዝወሰደ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ምድራዊ ዘርኢ ሰይጣን መዓስ ኢዩ ዝጽረግ፧ (ሐ) ዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣምላኽ: ንሰይጣን ማለት ነቲ ተመን ‘ርእሱ’ ክጭፍልቖ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

25 እቲ ኣብ ክብሩ እተቐመጠ የሱስ ክርስቶስ: ሕጂ ንጸላእቲ የሆዋ እናፈረደ: ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ድሮ እኳ ካብ ሰማይ ብምድርባይን: ንጥፈታቶም ከኣ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ጥራይ ከም ዝሕጸር ብምግባርን ኣንጻር ሰይጣንን መላእኽቱን ስጕምቲ ወሲዱ ኢዩ: ኣብ ምድሪ ጥራይ ምሕጻሩ ኸኣ ሕጂ ኣብዚ ግዜና ኣብ ምድሪ ወዮ ናይ ምብዛሕ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ። (ራእይ 12:9, 12) እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ካልኦት ጨናፍር ናይታ ምድራዊት ማሕበር ሰይጣንን ፍርዱ ከውርድ ከሎ እቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ ናይ ሰይጣን ምድራዊ ዘርኢ ክጽረግ ኢዩ። ኣብ መጨረሽታ ድማ: የሱስ ክርስቶስ: ዘርኢ እታ ሰበይቲ: ንሰይጣን: ነቲ ጐራሕ ናይ ጥንቲ ተመን: ‘ኣብ ርእሱ’ ክጭፍልቖ ኢዩ: እዚ ድማ ናይ መወዳእታ ጥፍኣቱን ካብ ጕዳያት ደቅሰብ ድማ ምሉእ ብምሉእ ምርሓቑን ማለት ክኸውን ኢዩ።—ሮሜ 16:20

26. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ትንቢት ክንምርምሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

26 እዚ ዅሉኸ ከመይ ኢሉ ኢዩ ክፍጸም፧ እዚ ኢዩ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹልና ዘሎ። ብዘገርም ምልክታትን መለለይታትን ጐሊሑ ብተኸታታሊ ትርኢታት ተገሊጹልና ኣሎ። እስከ ነዚ ሓያል ትንቢታት እዚ ተሃንጢና ንመርምሮ። ብርግጽ ድማ ንቓላት ናይ መጽሓፍ ራእይ እንተድኣ ሰሚዕናዮን ኣብ ግብሪ ኣውዒልናዮን ሕጕሳት ኢና! ከምዚ ብምግባርና ንስም ናይቲ ልዑል ጐይታ የሆዋ ከም ዝኸብር ኣብ ምግባር ክንካፈል: ነቲ ዘለኣለማዊ በረኸቱ ድማ ክንወርስ ኢና። በጃኻ: ምንባብ ቀጽል: ነቲ እተማሃርካዮ ድማ ብጥበብ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ኣብዚ ናይ ወድሰብ ታሪኽ ፍጻሜ ንድሕነትካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ሳጹን/​ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ንግድ ጕዳያት ብኸመይ ይካየድ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ናይ ኲኒፎርም መዝገብ

እታ ብጀምስ ቢ. ፕሪቻርድ እተጻሕፈት ኤንሸንት ኒያር ኢስተርን ቴክስትስ እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ): ኣብ ባቢሎን ዝነበረ ብሃሙራቢ እተዳለወ ዳርጋ 300 ዝኸውን ሕግታት ትዝርዝር። እዚ ኸኣ ነታ በቲ እዋን እቲ ዝነበረት ናይ ንግዲ ዓለም ዓብሊልዋ ዝነበረ ግሁድ ቅጥፈት ምኽልካል ኣድላዪ ከም ዝነበረ ኢዩ ዘርኢ። ሓደ ኣብነት ንምውሳድ:- “ሓደ በዓል ስልጣን ካብ ሓደ ወዲ በዓል ስልጣን ወይ ካብ ባርያ በዓል ስልጣን ብዘይ ምስክርን ውዕልን ብሩር ወይ ወርቂ ወይ ተባዕታይ ባርያ ወይ ኣንስተይቲ ባርያ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ኣድጊ ወይ ዝዀነ ካልእ ኣቕሓ እንተ ዓደገ ወይ ብሕድሪ እንተ ተቐበለ: እዚ በዓል ስልጣን እዚ ሰራቒ ስለ ዝዀነ: ክመውት ኣለዎ።”