ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ እተንጸባርቕ ከተማ

እታ እተንጸባርቕ ከተማ

ምዕራፍ 43

እታ እተንጸባርቕ ከተማ

ትርኢት 16​—ራእይ 21:9-22:5

ቀንዲ መልእኽቲ:- መግለጺ ናይ ሓዳስ የሩሳሌም

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ድሕሪ እቲ ዓቢ ጸበባ: ከምኡውን ሰይጣን ኣብ መዓሙቝ ድሕሪ ምዕጻዉ

1, 2. (ሀ) ሓደ መልኣኽ ንዮሃንስ ሓዳስ የሩሳሌም ምእንቲ ከርእዮ ናበይ ይወስዶ: ኣብዚኸ እንታይ ፍልልይ ኢና እንርኢ፧ (ለ) እዚ: ዓቢ ፍጻሜ ናይ መጽሓፍ ራእይ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

 ሓደ መልኣኽ ንዮሃንስ ዓባይ ባቢሎን ከርእዮ ናብቲ በረኻ ወሲዱዎ ነበረ። ሕጂ ኸኣ ሓደ ካብቶም ጕጅለ መላእኽቲ እቲኣቶም: ንዮሃንስ ናብ ሓደ ነዊሕ ከረን ይመርሖ። ኣየ ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኰን ኢዩ ዝርኢ! ኣብዚ: ከምታ ባቢሎናዊት ኣመንዝራ ርኽሰትን ዘይስነ-ምግባራውነትን ዘለዋ ከተማ ዘይኰነትስ: ንጽህትን መንፈሳዊትን ቅድስትን ዝዀነት ሓዳስ የሩሳሌም ኢያ እትርአ: ካብ ሰማይ ከኣ ኢያ እትወርድ ዘላ።—ራእይ 17:1, 5

2 ምድራዊት የሩሳሌምውን እንተዀነት ከምዚ ዝኣመሰለ ግርማ ፈጺሙ ኣይነበራን። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “ካብቶም በተን ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፤ ነታ መርዓት: ሰበይቲ እቲ ገንሸል: ከርእየካስ ንዓ: እናበለ ተዛረበኒ። ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ: ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርአየኒ።” (ራእይ 21:9-11ሀ) ዮሃንስ ኣብቲ ነዊሕ ከረን ኰይኑ ንዅሉ ዝርዝር ጽባቐ ናይታ ምልክዕቲ ከተማ ይዕዘብ። ናይ እምነት ሰባት: ካብቲ ወድሰብ ኣብ ሓጢኣትን ሞትን ዝወደቐሉ ግዜ ኣትሒዞም ብዛዕባ ምምጽኣ ብናፍቖት ይጽበዩ ኢዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እንሆ መጺኣ! (ሮሜ 8:19፣ 1 ቈረንቶስ 15:22, 23፣ እብራውያን 11:39, 40) ብ144,000 እሙናት ሓለውቲ ንጽህንኦም ዝቘመት: ብቕድስንኣ እተንጸባርቕ ከምኡውን ክብሪ የሆዋ እተንጸባርቕ ግርማ ዝመልኣ መንፈሳዊት ከተማ ኢያ። መጽሓፍ ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ኸኣ ኣብዚ ኢዩ!

3. ዮሃንስ ንጽባቐ ሓዳስ የሩሳሌም ብኸመይ ይገልጾ፧

3 ሓዳስ የሩሳሌም ብመልክዓ ኣዝያ እትምስጥ ኢያ:- “ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዩ ዝኸበረ እምኒ: ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዚመስል። ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ አለዋ: ዓሰርተው ክልተ ደገ: ኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲ: ስማት ድማ ተጽሒፉ አሎ: እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ። ብምብራቕ ሰለስተ ደገ: ብሰሜን ሰለስተ ደገ: ብደቡብ ሰለስተ ደገ: ብምዕራብ ሰለስተ ደገ አሎ። ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት አለዎ: ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል አሎ።” (ራእይ 21:11ለ-14) ዮሃንስ መጀመርታ ርእይ ኣቢሉ ብዛዕባ ድሙቕ ብርሃና ክምዝግብሲ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! ሓዳስ የሩሳሌም ከም ሓዳስ መርዓት እናብለጭለጨት ንክርስቶስ እትሰማማዕ ኢያ። በቲ “ኣቦ ብርሃናት” እተፈጥረት ከም ምዃና መጠን ድምቕቲ ኢያ።—ያእቆብ 1:17

4. ሓዳስ የሩሳሌም ስጋዊት ሃገር እስራኤል ከም ዘይኰነት እንታይ የመልክት፧

4 ኣብቲ 12 ደጌታታ ስም ናይቶም 12 ነገድ እስራኤል ተጻሒፉ ኣሎ። ስለዚ እዛ ምሳልያዊት ከተማ እዚኣ በቶም “ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል” እተሓትሙ 144,000 ዝቘመት ኢያ። (ራእይ 7:4-8) ምስዚ ብምስምማዕ: እቶም ናይ መሰረት ኣእማን ስም ናይቶም 12 ሃዋርያት እቲ ገንሸል ተጻሒፉዎም ኣሎ። እወ: ሓዳስ የሩሳሌም ኣብቶም 12 ደቂ ያእቆብ እተመስረተት ስጋዊት ሃገር እስራኤል ኣይኰነትን። ኣብ “ነብያትን ሃዋርያትን” እተመስረተት መንፈሳዊት እስራኤል ኢያ።—ኤፌሶን 2:20

5. እቲ ናይ የሩሳሌም “ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ” ከምኡውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደገ መላእኽቲ ምህላዎም እንታይ የመልክት፧

5 እታ ምሳልያዊት ከተማ ዓቢ ቀጽሪ ኣለዋ። ኣብ ጥንቲ ናይ ከተማ ቀጽርታት ካብ ጸላእቲ ዕቝባ ክኸውን ተባሂሉ ኢዩ ዝህነጽ ነይሩ። እቲ ናይ ሓዳስ የሩሳሌም “ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ” ብመንፈሳዊ መገዲ ዕቝባ ዘለዋ ምዃና የመልክት። ዝዀነ ይኹን ጸላእ ጽድቂ: ርኹስ ወይ መደላሃቒ ናብኣ ክኣቱ ኣይክእልን ኢዩ። (ራእይ 21:27) ነቶም ኣብኣ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም ግን: ናብዛ ምልክዕቲ ከተማ እዚኣ ምእታው ናብ ገነት ከም ምእታው ኢዩ ዝቝጸር። (ራእይ 2:7) ኣዳም ምስ ተሰጐ: ዘይንጹሃት ሰባት ከይኣትዉ ንኽሕልዉ: ኣብ ቅድሚ እታ ናይ ጥንቲ ገነት ኪሩቤላት ነበሩ። (ዘፍጥረት 3:24) ብተመሳሳሊ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣፍ ደገ ናይታ ቕድስቲ ከተማ የሩሳሌም: መንፈሳዊ ዕቝባ ናይታ ከተማ ንምርግጋጽ መላእኽቲ ተቐሚጦም ኣለዉ። ብሓቂ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መላእኽቲ ነቶም ሓዳስ የሩሳሌም ዝዀኑ ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያን ካብ ባቢሎናዊ ምብልሻው ሓሊዮሞም ኢዮም።—ማቴዎስ 13:41

ምስፋር ናይታ ኸተማ

6. (ሀ) ዮሃንስ ምስፋር ናይታ ኸተማ ብኸመይ ይገልጾ: እዚ ምስፋር እዚኸ እንታይ የመልክት፧ (ለ) እቲ ምስፋር “ብእመት ሰብኣይ: ንሱ ድማ ናይ መልኣኽ” ምዃኑ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

6 ዮሃንስ ጸብጻቡ ብምቕጻል ከምዚ ይብል:- “እቲ ዚዛረበኒ ኸኣ: ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኺሰፍረሉ: መስፈሪ: ዘንጊ ወርቂ: አለዎ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ: ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ። ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ: ንሱ ድማ ናይ መልኣኽ: ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት አመቶ።” (ራእይ 21:15-17) ምስፋር ናይታ ቤት መቕደስ እቲ ብዛዕብኣ ዝምልከት ዕላማ የሆዋ ከም ዝፍጸም ውሕስነት ዝህብ ነበረ። (ራእይ 11:1) ሕጂ ድማ እቲ መልኣኽ ንሓዳስ የሩሳሌም ምስፋሩ: ብዛዕባ እዛ ግርማዊት ከተማ እዚኣ ዝምልከት ዕላማታት የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ዘይልወጥ ምዃኑ ውሕስነት ዝህብ ኢዩ። a

7. ብዛዕባ ዓቐን ናይታ ኸተማ ዘደንቕ እንታይ ኢዩ፧

7 ኣየ እዛ ኸተማ እዚኣስ ክሳዕ ክንደይ እተደንቕ ኰን ኢያ! ዙርያኣ 12,000 እስታድዮስ (ዳርጋ 2,200 ኪሎ ሜትር) ክኸውን ከሎ: ብ144 እመት ወይ ከኣ 64 ሜትሮ ዝምብራኹ መንደቕ እተኸበት ኢያ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቐን ዘለዋ ናይ ሓቂ ከተማ ፈጺማ ክትህሉ ኣይትኽእልን ኢያ። ክንዲ 14 ግዜ ናይ ዘመናዊት እስራኤል ዝኸውን ስፍሓት ዘለዎ ቦታን ንጠፈር ገጹ ኸኣ 560 ኪሎ ሜትር ዝወጸትን ምዀነት! ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብምልክታት ኢዩ ተገሊጹ። ስለዚ እዚ ዓቐናት እዚ ብዛዕባ ሰማያዊት ሓዳስ የሩሳሌም እንታይ ይነግረና፧

8. (ሀ) እቲ 144 እመት ዝምብራኹ መናድቕ ናይታ ኸተማ: (ለ) እቲ 12,000 እስታድዮስ ዓቐን ናይታ ኸተማ: (ሐ) ምንዋሕን ምግፋሕን ምብራኽን ናይታ ኸተማ ማዕረ ምዃኑ: እንታይ የመልክት፧

8 እቲ 144 እመት ዝምብራኹ መናድቕ: እታ ኸተማ ብ144,000 ብመንፈስ ውልድነት ዝረኸቡ ደቂ ኣምላኽ ዝቘመት ምዃና የዘኻኽረና። ኣብቲ 12,000 እስታድዮስ ዝዀነ ዓቐን ናይታ ማዕረ ንውሓትን ግፍሕን ምብራኽን ዘለዋ ከተማ ዝርአ ዘሎ ቍጽሪ 12: ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብምሳልያዊ መገዲ ንማሕበራዊ ኣሰራርዓ የመልክት። ስለዚ ሓዳስ የሩሳሌም ነቲ ዘለኣለማዊ ዕላማ ኣምላኽ ንምፍጻም ብዝለዓለ ደረጃ እተመሓደረት ስርዓት ኢያ። ሓዳስ የሩሳሌም ምስ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ኰይና ናይ የሆዋ መንግስታዊት ማሕበር ኢያ። ቅርጺ ናይታ ኸተማ ማዕረ ምንዋሕን ምግፋሕን ምብራኽን ዘለዋ ኢያ። ኣብ ናይ ሰሎሞን ቤት መቕደስ እቲ ንህላዌ የሆዋ ዘመልክት ዝነበረ ቅድስተ ቅዱሳን ምንውሑን ምግፍሑን ምብራኹን ማዕረ ኢዩ ነይሩ። (1 ነገስት 6:19, 20) እታ ብኽብሪ የሆዋ ዝበርሀት ሓዳስ የሩሳሌም ብዝዓበየ ደረጃ ምንውሓን ምግፍሓን ምብራኻን ማዕረ ኰይና ክትርአስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዝሰማማዕ ኢዩ! ኵሉ ዓቐና ፍጹም ሚዛኑ ዝሓለወ ኢዩ። ሓባጥ ጐባጥ ወይ ኣበር ዘይብላ ከተማ ኢያ።—ራእይ 21:22

ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ናይ ህንጻ ኣቕሑት

9. ዮሃንስ ነቲ ናይታ ኸተማ ናይ ህንጻ ኣቕሑት ብኸመይ ይገልጾ፧

9 ዮሃንስ መግለጺኡ ብምቕጻል ከምዚ ይብል:- “እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ። እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል። መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብኽቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ: እቲ ኻልኣይ ሰፊሮስ: እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን: እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ: እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ: እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ: እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት: እቲ ሳምናይ በሪሎስ: እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን: እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ: እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ: እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ። እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ።”—ራእይ 21:18–21

10. እታ ከተማ ብያስጲስ: ብወርቂ: ከምኡውን “ብኽቡር እምኒ” ምንዳቓ እንታይ የመልክት፧

10 ናይታ ኸተማ ኣነዳድቓ ብሓቂ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ኣብ ክንዲ ከም መሬት ወይ እምኒ ዝበሉ ዓለማዊ ወይ ምድራዊ ናይ ህንጻ መሳርሒ እነንብብ ብዛዕባ ያስጲስን ጽሩይ ወርቅን ‘ኽቡር እምንን’ ኢና እነንብብ። እዚኣቶም ንሰማያዊ ናይ ህንጻ መሳርሒ ከመልክቱስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! ካብዚኣቶም ዝዓቢ ዋላ ሓንቲ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ጥንታዊ ታቦት ኪዳን ብጽሩይ ወርቂ እተለበጠ ኢዩ ነይሩ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እዚ ንጥረ ነገር እዚ ብዙሕ ግዜ ንጽቡቕን ክቡርን ነገራት ኢዩ ዘመልክት። (ዘጸኣት 25:11፣ ምሳሌ 25:11፣ ኢሳይያስ 60:6, 17) ሓዳስ የሩሳሌም ብምልእታ ከምኡውን እቲ ሰፊሕ ኣደባባያ ብ“ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጼን” እተነድቀ ኢዩ: እዚ ኸኣ ውኖኻ ዝምስጥ ጽባቐን ክቡር ዋጋን ከም ዘለዎ ዘመልክት ኢዩ።

11. እቶም ንሓዳስ የሩሳሌም ዘቝሙ በቲ ዝለዓለ ክብሪ ናይ መንፈሳዊ ንጽህና ከንጸባርቑ ከም ዝዀኑ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ፧

11 ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሬት ዘለዎ ወርቂ ክዅልዕ ዝኽእል ሰብኣዊ ሰራሕ ወርቂ ኣይርከብን ኢዩ። የሆዋ ግን እቲ ዝበለጸ ኰላዒ ኢዩ። ንሱ “ብሩር ኪዅልዕን ኬጽርን” ከም ዝቕመጥ ኰይኑ: ነቶም እሙናት ኣባላት ናይ መንፈሳዊት እስራኤል በብውልቆም ብዘሎ ርስሓት ጸሪጉ “ከም ወርቅን ብሩርን” ከጽርዮም ኢዩ። እቶም ብሓቂ ዝጸረዩን ዝነጽሁን ኣባላት ጥራይ ኢዮም ኣብ መወዳእታ ሓዳስ የሩሳሌም ንምቛም ዝበቕዑ: በዚ መገዲ እዚ ኸኣ: የሆዋ ነታ ኸተማ በቲ ዝለዓለ ክብሪ ናይ መንፈሳዊ ንጽህና ዘንጸባርቑ ህያዋን ናይ ህንጻ መሳርሒታት ገይሩ ይሃንጻ።—ሚልክያስ 3:3, 4

12. (ሀ) ናይታ ኸተማ መሰረታት ብ12 ክቡር እምኒ እተሰለሙ ምዃኖም: (ለ) ናይታ ኸተማ ደጌታት ሉል ምዃኖም: እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

12 ናይታ ኸተማ መሰረታትውን ከይተረፈ ብ12 ክቡራት ኣእማን እተሰለሙ ብምዃኖም ጽቡቓት ኢዮም። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ግዜ በዓላት: እዚ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ 12 እተፈላለየ ክቡር ኣእማን ዝጠበቖ ኤፎድ ዝኽደን ዝነበረ ናይ ጥንታውያን ኣይሁድ ሊቀ ኻህናት የዘኻኽረና። (ዘጸኣት 28:15-21) ብርግጽ እዚ ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ኣይኰነን! ኣብ ክንድኡስ ናይታ የሱስ እቲ ዝዓበየ ሊቀ ኻህናት ‘መብራህታ’ ዝዀነ ሓዳስ የሩሳሌም ክህነታዊ ዕዮ ኣጕሊሑ ዘርኢ ኢዩ። (ራእይ 20:6፣ 21:23፣ እብራውያን 8:1) እቲ ካብ ናይ የሱስ ኣገልግሎት ሊቀ ኻህናት ዝርከብ ረብሓታት እውን ብሓዳስ የሩሳሌም ኣቢሉ ኢዩ ናብ ወድሰብ ዝመሓላለፍ። (ራእይ 22:1, 2) እቶም 12 ደጌታት: ነፍሲ ወከፎም ዓቢ ጽባቐ ዘለዎ ሉል ብምዃኖም ነቲ የሱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሓንቲ ክቡር ዝዋግኣ ዕንቊ ከመሳስላ ኸሎ ዝሃቦ ምሳሌ የዘኻኽረና። ኵሎም እቶም በቲ ደጌታት እቲ ዝኣትዉ ንመንፈሳዊ ነገር ናይ ሓቂ ሞሳ ዘርኣዩ ሰባት ኢዮም።—ማቴዎስ 13:45, 46፣ ምስ እዮብ 28:12, 17, 18 ኣረኣእዮ።

ናይ ብርሃን ከተማ

13. ዮሃንስ ቀጺሉ ብዛዕባ ሓዳስ የሩሳሌም እንታይ ይብል: እታ ኸተማ ቃል ብቓሉ ቤት መቕደስ ዘየድልያኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ኣብ ግዜ ሰሎሞን: እታ ቤት መቕደስ ኣብ የሩሳሌም ኣብቲ ዝለዓለ ብራኸ ዘለዎ ክፍሊ ናይታ ኸተማ ብወገን ሰሜን ኣብ ከረን ሞርያ ተሃኒጻ ነበረት። ሓዳስ የሩሳሌምከ፧ ዮሃንስ ከምዚ ይብል:- “እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደሳ እዮም እሞ: መቕደስ ኣብኣ ኣይርኤኹን። እታ ኸተማ እቲኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ አሎ: መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞ: ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ።” (ራእይ 21:22, 23) ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ኣብዚ ቃል ብቓሉ ቤት መቕደስ ምህናጽ ዘድሊ ኣይኰነን። እታ ጥንታዊት ናይ ኣይሁድ ቤት መቕደስ ኣብነት ጥራይ ኢያ ነይራ: እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ካብቲ የሆዋ ንየሱስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ከም ሊቀ ኻህናት ዝቐብኣሉ ግዜ ኣትሒዙ ኸኣ ከም ሓቅነት ናይቲ ኣብነት ኰይና ህልውንኣ ጀሚራ ኢያ። (ማቴዎስ 3:16, 17፣ እብራውያን 9:11, 12, 23, 24) ሓንቲ ቤት መቕደስ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ዀይኖም ንየሆዋ መስዋእቲ ዘቕርቡ ክፍሊ ክህነት ከም ዘድልያ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኵሎም እቶም ክፍሊ ናይ ሓዳስ የሩሳሌም ዝዀኑ ካህናት ኢዮም። (ራእይ 20:6) እቲ ዓቢ መስዋእቲ ናይ የሱስ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ከኣ ሓንሳብ ንሓዋሩ ተወፍዩ ኢዩ። (እብራውያን 9:27, 28) ብተወሳኺ: የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብታ ኸተማ ዝነብሩ ይርከበሎም ኢዩ።

14. (ሀ) ሓዳስ የሩሳሌም ጸሓይን ወርሕን ከብርሁላ ዘየድልያ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ናይ የሆዋ ኣድማሳዊ ማሕበር ኢሳይያስ እንታይ ኢሉ ኢዩ እተነበየ: ሓዳስ የሩሳሌምከ ኣብዚ እትውቲ እትኸውን ብኸመይ ኢያ፧

14 ኣብ ከረን ሲና: ክብሪ የሆዋ ብቕድሚ ሙሴ ምስ ሓለፈ: ንገጽ ሙሴ ብድምቀት ከም ዘንጸባርቕ ስለ ዝገበሮ ገጹ ካብ ብጾቱ እስራኤላውያን ክጕልበብ ነበሮ። (ዘጸኣት 34:4-7, 29, 30, 33) ስለዚ ድምቀት ናይ ሓንቲ ወርትግ ክብሪ የሆዋ ዝመልኣ ከተማ ከመይ ከም ዝኸውን ክትግምቶዶ ትኽእል፧ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ከተማ ለይቲ ክህልዋ ኣይክእልን ኢዩ። ቃል ብቓሉ ጸሓይ ወይ ወርሒ ኣየድልያን ኢዩ። ንዘለኣለም ብርሃን እናብርሀት ኢያ እትነብር። (ምስ 1 ጢሞቴዎስ 6:16 ኣረኣእዮ።) ሓዳስ የሩሳሌም ብኸምዚ ዝዓይነቱ ድሙቕ ብርሃን ዝጸረየት ኢያ። ብሓቂ እዛ መርዓትን እቲ ንጉስ ዝዀነ መርዓዊኣን: ናይታ “ሰበይቲ” የሆዋ ዝዀነት “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” ማለት እታ ኣድማሳዊት ማሕበር የሆዋ ማእከል ክዀኑ ኢዮም: ኢሳይያስ ብዛዕብኣ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ: ኣምላኽኪ ድማ ክብርኺ ኪኸውን እዩ እምበር: ድሕርዚ ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃንኪ ኣይክትከውንን: ወርሒ ኸኣ ብምድማቓ ኣይከተብርሃልክን እያ። እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ኪዀነልኪ: መዓልትታት ሓዘንኪ ኸኣ ኪውድኣ እየን እሞ: ድሕርዚ ጸሓይኪ ኣይክትዐርብን: ወርሕኺ ድማ ኣይክትጐድልን እያ።”—ኢሳይያስ 60:1, 19, 20፣ ገላትያ 4:26

ብርሃን ንኣህዛብ

15. ብዛዕባ ሓዳስ የሩሳሌም እንታይ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ቃላት ኢዩ ምስቲ ናይ ኢሳይያስ ትንቢት ተመሳሳሊ ዝኸውን፧

15 እዚ ትንቢት እዚ “ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ: ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም” እውን ኢሉ ነይሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 60:3) እዘን ቃላት እዚኣተን ንሓዳስ የሩሳሌምውን ከም ዘመልክታ መጽሓፍ ራእይ የርእየና ኢዩ:- “ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱ: ነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም። ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ: ደጌታታ ብመዓልቲ ከቶ ኣይኪዕጾን እዩ። ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኼምጽእዎ እዮም።”—ራእይ 21:24-26

16. እቶም ብብርሃን ናይ ሓዳስ የሩሳሌም ዝመላለሱ “ኣህዛብ” መን ኢዮም፧

16 እዞም ብብርሃን ናይ ሓዳስ የሩሳሌም ዝመላለሱ “ኣህዛብ” መን ኢዮም፧ እዚኣቶም ሓደ ግዜ ክፍሊ ናይቶም ኣብዛ እክይቲ ዓለም ዝነብሩ ህዝብታት ዝነበሩ እሞ: ነቲ በታ ግርማዊት ሰማያዊት ከተማ ዝበርህ ብርሃን እተቐበልዎ ሰባት ኢዮም። ካብዚኣቶም ቀዳሞት እቶም ድሮ ካብ “ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” እተኣከቡ ከምኡውን ምስቶም ክፍሊ ዮሃንስ ሓቢሮም ንኣምላኽ መዓልትን ለይትን ዘምልኽዎ: ዓቢ ጭፍራ ኢዮም። (ራእይ 7:9, 15) ሓዳስ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ድሕሪ ምውራዳ የሱስ ድማ ንመርሖ ሞትን ሲኦልን ተጠቒሙ ንምዉታት ድሕሪ ምትንስኡ: ሚልዮናት ካልኦት ክጽንበርዎም ኢዮም: እዚኣቶም ድማ መጀመርታ ካብ “ኣህዛብ” ዝመጹ ኰይኖም ንየሆዋን ነቲ ንሓዳስ የሩሳሌም ሰብኣያ ዝዀነ ገንሸል መሰል ወዱን ዘፍቅሩ ኢዮም—ራእይ 1:18

17. እቶም ናብ ሓዳስ የሩሳሌም ‘ክብሮም ኼምጽኡ ኢዮም’ እተባህሉ ‘ነገስታት ምድሪ’ መን ኢዮም፧

17 እዞም ‘ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም’ እተባህሉ ‘ነገስታት ምድሪ’ ድኣ መን ኢዮም፧ እዚኣቶም ከም ጉጅለ መጠን ቃል ብቓሉ ነገስታት ምድሪ ኣይኰኑን: ከመይሲ እዚኣቶም ኣንጻር መንግስቲ ኣምላኽ እናተዋግኡ ኣብ ኣርማጌዶን ክጠፍኡ ኢዮም። (ራእይ 16:14, 16፣ 19:17, 18) እቶም ነገስታት: ካብ ህዝብታት ወጺኦም ክፍሊ ናይቲ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ሰበ-ስልጣናት: ወይ ከኣ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝግዝኡ ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ነገስታት ክዀኑ ይኽእሉዶ፧ (ማቴዎስ 12:42) ኣይክእሉን ኢዮም: ምኽንያቱ ዝበዝሕ ክብሪ ናይዞም ነገስታት እዚኣቶም ዓለማዊ ኢዩ ነይሩ: ካብ ዝሃስስ ከኣ ነዊሕ ገይሩ ኢዩ። ስለዚ እዞም ክብሮም ናብታ ሓዳስ የሩሳሌም ዘምጽኡ ‘ነገስታት ምድሪ’ እቶም ምስቲ ገንሸል የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ክነግሱ ‘ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን እተዓደጉ’ 144,000 ኢዮም። (ራእይ 5:9, 10፣ 22:5) እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ክብሪ ናብታ ኸተማ አምጺኦም ድምቀት ክውስኹላ ኢዮም።

18. (ሀ) ካብ ሓዳስ የሩሳሌም ዝግለሉ መን ኢዮም፧ (ለ) ኣብታ ኸተማ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም መን ጥራይ ኢዮም፧

18 ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር: ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪአቱን እዩ።” (ራእይ 21:27) ዝዀነ ይኹን ብናይ ሰይጣን ኣገባብ እተጸየቐ: ክፍሊ ናይ ሓዳስ የሩሳሌም ክኸውን ኣይክእል ኢዩ። ደጌታታ ኵሉ ሳዕ ክፉት እኳ እንተዀነ: “ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ” ኣብኣ ክኣቱ ኣይክፍቀደሉን ኢዩ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ክሓድቲ ወይ ኣባላት ናይ ዓባይ ባቢሎን ዝዀኑ ሰባት ኣይክህልዉን ኢዮም። ነቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ንመጻኢ ግዜ ኣባላት ናይታ ኸተማ ክዀኑ ዘለዎም ብምብልሻው ነታ ኸተማ ከርክሱ ዝፍትኑ ጻዕሮም ከንቱ ክኸውን ኢዩ። (ማቴዎስ 13:41-43) ኣብ መወዳእታ እቶም ኣብቲ ናይቲ “ገንሸል ጥቕላል ህይወት” እተጻሕፉ: 144,000 ጥራይ ኢዮም ኣብታ ሓዳስ የሩሳሌም ዝኣትዉ። bራእይ 13:8፣ ዳንኤል 12:3

ርባ ማይ ህይወት

19. (ሀ) ሓዳስ የሩሳሌም ንደቅሰብ መትረብ ናይ በረኸታት ከም እትኸውን ዮሃንስ ብኸመይ ይገልጻ፧ (ለ) እቲ “ርባ ማይ ህይወት” መዓስ ኢዩ ዝውሕዝ: ብኸመይከ ንፈልጥ፧

19 እታ እተንጸባርቕ ሓዳስ የሩሳሌም ኣብ ምድሪ ንደቅሰብ መትረብ ናይ ዓበይቲ በረኸታት ክትከውን ኢያ። ዮሃንስ ቀጺሉ እተረድኦ እዚ ኢዩ ነይሩ:- “ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርአየኒ: እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ: ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ።” (ራእይ 22:1, 2ሀ) እዚ “ርባ” እዚ መዓስ ኢዩ ዝውሕዝ፧ “ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን” ዝወጽእ ስለ ዝዀነ: መዓልቲ ጐይታ ብ1914 ድሕሪ ምጅማሩ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። እዚ ብምንፋሕ ናይቲ ሻውዓይ መለኸት እተኣወጀ ፍጻመን እቲ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን ኰይና” ዝብል ዓቢ ምልክታ እተነግረሉን ግዜ ኢዩ ነይሩ። (ራእይ 11:15፣12:10) ኣብዚ ዘመን መወዳእታ እዚ: እቲ መንፈስን እታ መርዓትን ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ማይ ህይወት ብናጻ ኽወስዱ ይዕድምዎም ኣለዉ። እቲ ኻብቲ ርባ ዝውሕዝ ማይ ክሳዕ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዝን ድሕሪኡን ኣብ ሓዳስ ዓለም: ማለት ኣብታ ‘ሓዳስ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ምስ ወረደት’ ክቕጽል እዩ።—ራእይ 21:2

20. ብመጠኑ ማይ ህይወት ከም ዘሎ እንታይ የመልክት፧

20 ንደቅሰብ ህይወት ዝህብ ማይ እተዋህቦም ናይ መጀመርታ ግዜ እዚ ኣይኰነን። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ብዛዕባ እቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝህብ ማይ ተዛሪቡ ነበረ። (ዮሃንስ 4:10-14፣ 7:37, 38) ብተወሳኺ: ዮሃንስ ነቲ “እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፤ ንዓ: ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፤ ንዓ: ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዝብል ፍቕራዊ ዕድመ ናብ ምስማዕ ገጹ ኢዩ። (ራእይ 22:17) ብመጠኑ ማይ ህይወት ከም ዘሎ ብምምልካት: እዚ ዕድመ እዚ ሕጂውን ከይተረፈ ይስማዕ ኣሎ። ኣብታ ሓዳስ ዓለም ግን እቲ ማያት እቲ ካብ ዝፋን ኣምላኽ ወጺኡ ብማእከል ሓዳስ የሩሳሌም ኣቢሉ ከም ናይ ሓቂ ርባ ክውሕዝ ኢዩ።

21. እቲ “ርባ ማይ ህይወት” እንታይ ኢዩ ዘመልክት: እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እዚ ርባ እዚ ዝረኣዮ ትርኢት እንታይ ንኽንርዳእ ኢዩ ዝሕግዘና፧

21 እዚ “ርባ ማይ ህይወት” እዚ እንታይ ኢዩ፧ ቃል ብቓሉ ማይ ንህይወት ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ሓደ ሰብ ብዘይ መግቢ ንሓያለይ ሰሙናት ክጸንሕ ይኽእል ኢዩ: ብዘይ ማይ ግን ዳርጋ ኣብ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ኢዩ ዝመውት። ማይ ናይ ምጽራይ ኣገልግሎት እውን ኣለዎ: ንጥዕና ድማ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። በዚ ኸምዚ: እቲ ማይ ህይወት ንናይ ደቅሰብ ህይወትን ጥዕናን ኣዝዩ ኣገዳሲ ክኸውን ኣለዎ። ነብዪ ህዝቅኤልውን ትርኢት ናይዚ “ርባ ማይ ህይወት” ርእዩ ነይሩ ኢዩ: ኣብቲ ናቱ ትርኢት ከኣ እቲ ርባ ካብታ ቤት መቕደስ ናብ ምዉት ባሕሪ ኢዩ ዝውሕዝ ነይሩ። ብድሕርዚ ድማ ናይ ተኣምራታት ተኣምር ተፈጸመ! እቲ ህይወት ኣልቦ ዝዀነ ከሚካል ዝመልኦ ማይ: ናብ ኣዝዮም ብዙሓት ዓሳታት ዘለዉዎ ጽሩይ ማይ ተለወጠ። (ህዝቅኤል 47:1-12) እወ: እዚ ናይ ትርኢት ርባ ሞይቱ ንዝነበረ ናብ ህይወት ዝመልስ ኢዩ: እዚ ድማ እቲ ርባ ማይ ህይወት ነቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ነቲ ‘ምዉት’ ሰብኣዊ ዓሌት ናብ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ንምምላስ ዝገበሮ ምድላው ከም ዘመልክት የረጋግጽ። እዚ ርባ እዚ “ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ” ብምዃኑ ንጽህናን ቅድስናን ናይ ምድላዋት ኣምላኽ የርኢ። ከምቲ ደም እተጸየቐ ቀታሊ ዝዀነ “ማያት” ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣይኰነን።—ራእይ 8:10, 11

22. (ሀ) እቲ ርባ ካበይ ኢዩ ዝወጽእ: እዚ ግቡእ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ማይ ህይወት እንታይ ዘጣመረ ኢዩ: እዚ ምሳልያዊ ርባ እዚኸ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧

22 እቲ ርባ ካብቲ “ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን” ኢዩ ዝወጽእ። ከምኡ ክኸውን ድማ ግቡእ ኢዩ: ምኽንያቱ መሰረት ናይቲ ህይወት ዝህብ ምድላው የሆዋ እቲ መስዋእታዊ በጅነት ኢዩ: እዚ እተዋህበሉ ኸኣ የሆዋ “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም” ስለ ዘፍቀራ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16) እቲ ማይ ህይወት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ማይ ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ቃል ኣምላኽውን ዘጣምር ኢዩ። (ኤፌሶን 5:26) ይኹን እምበር: እቲ ርባ ማይ ህይወት ሓቂ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ የሆዋ ንእዛዙት ሰባት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ኣውጺኡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም ቀሪብዎ ዘሎ ኣብ መስዋእቲ የሱስ እተመስረተ ኵሉ ምድላዋት ዘጠቓለለ ኢዩ።—ዮሃንስ 1:29፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2

23. (ሀ) እቲ ርባ ማይ ህይወት ብማእከል ኣደባባይ ናይ ሓዳስ የሩሳሌም ሰንጢቑ ክውሕዝ ዝሰማማዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ማይ ህይወት ብብዝሒ ክውሕዝ ምስ ጀመረ እንታይ ንኣብርሃም ተዋሂቡ ዝነበረ መለኮታዊ መብጽዓ ኢዩ ዝፍጸም፧

23 ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት: እቲ ብበጅነት ዝርከብ ረብሓታት ብኽህነት ናይ የሱስን ናይቶም 144,000 ንኡሳን ካህናትን ኣቢሉ ብምልኣት ኣብ ግብሪ ክውዕል ኢዩ። እምብኣርከስ እቲ ርባ ማይ ህይወት ብማእከል ኣደባባይ ናይ ሓዳስ የሩሳሌም ሰንጢቑ ክውሕዝ ዝሰማማዕ ኢዩ። እዚ: በቶም ምስ የሱስ ኰይኖም ናይ ሓቂ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ መንፈሳውያን እስራኤል ዝቘመ ኢዩ። (ገላትያ 3:16, 29) ስለዚ: እቲ ማይ ህይወት ብማእከል ኣደባባይ ናይታ ምሳልያዊት ከተማ ብብዝሒ ምስ ወሓዘ: “ህዝብታት ኵላ ምድሪ” ብዘርኢ ኣብርሃም ክባረኹ ምሉእ ኣጋጣሚ ክህልዎም ኢዩ። እቲ የሆዋ ንኣብርሃም እተመባጽዓሉ ምሉእ ፍጻሜኡ ክረክብ ኢዩ።—ዘፍጥረት 22:17, 18

ኣእዋም ህይወት

24. ዮሃንስ ኣብ ክልቲኡ ወገን ናይቲ ርባ ማይ ህይወት እንታይ ኢዩ ዝርኢ: እንታይከ የመልክት፧

24 ኣብቲ ናይ ህዝቅኤል ትርኢት እቲ ማይ ዓሚቝ ውሒዝ ኢዩ ኰይኑ: እቲ ነብዪ ድማ ኣብ ክልቲኡ ወገን ናይቲ ርባ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም በቚሉ ረኣየ። (ህዝቅኤል 47:12) ዮሃንስ ግን እንታይ ኢዩ ዝርኢ፧ እዚ ዝስዕብ:- “ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።” (ራእይ 22:2ለ) እዚ ‘ኣእዋም ህይወት’ እዚ እውን ንገለ ክፍሊ ናይቲ የሆዋ ንእዙዛት ደቅሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምሃብ ዝገበሮ ምድላው ዘመልክት ክኸውን ኣለዎ።

25. የሆዋ ነቶም መልሲ ዝህቡ ሰባት እንታይ ልግሲ ዘሎዎ ምድላዋት ኢዩ ዝገብረሎም፧

25 የሆዋ ነቶም መልሲ ዝህቡ ሰባት ኣየ ከመይ ዝበለ ልግሲ ዘሎዎ ምድላዋት ኰን ኢዩ ዝገብረሎም! ካብቲ ዘጥልል ማያት ክሰትዩ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብቶም በብዓይነቶም ዝዕንግሉ ፍረታት ድማ ብቐጻሊ ክቕንጥቡ ኢዮም። ኣየ እቶም ቀዳሞት ወለድና ኣብ ኤደን ገነት ከምዚ ዝኣመሰለ “ዜብህግ” ምድላው ብምርካቦም ዓጊቦም ነይሮም እንተዝዀኑ መን ምሃበ! (ዘፍጥረት 2:9) ሕጂ ግን: ዓለምለኻዊት ገነት እንሀለት: የሆዋ ኸኣ ብኣቝጽልቲ ናይተን ምሳልያውያን ኣእዋም እውን ከይተረፈ “ፈውሲ ህዝብታት” የዳሉ ኣሎ። c እዞም ምሳልያውያን ኣቝጽልቲ እዚኣቶም: ካብ ዝዀነ ይኹን ሎሚ ዘሎ ናይ ኣቝጽልቲ ይኹን ወይ ካልእ መድሃኒት ዝበልጽ ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ስለ ዘለዎም: ነቶም ዝኣምኑ ደቅሰብ ኣብ መንፈሳውን ኣካላውን ፍጽምና ከብጽሕዎም ኢዮም።

26. እቲ ኣእዋም ህይወት እንታይ ከመልክት ይኽእል ኢዩ: ስለምንታይከ፧

26 እቲ ኻብቲ ርባ ብዝወጽእ ማይ ኣጸቢቑ ዝሰተየ ኣእዋም: ነቶም 144,000 ኣባላት ናይታ ሰበይቲ እቲ ገንሸል ከመልክቱ ይኽእሉ ኢዮም። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ኸለዉ ካብቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዘዳለዎ ናይ ህይወት ምድላው ይሰትዩ ኢዮም። እቲ ዘገርም: እዞም መንፈሳዊ ውልድነት ዘለዎም ኣሕዋት ክርስቶስ እዚኣቶም ብትንቢታዊ መገዲ “ኣእዋም ጽድቂ” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 61:1-3፣ ራእይ 21:6) ድሮ ንውዳሰ የሆዋ ዝኸውን ብዙሕ መንፈሳዊ ፍረ ኣፍርዮም ኢዮም። (ማቴዎስ 21:43) ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ድማ እቲ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዘድሕን “ፈውሲ ህዝብታት” ዝዀነ ናይ በጅነት ምድላው ኣብ ምዕዳል ግደ ክህልዎም ኢዩ።—ምስ 1 ዮሃንስ 1:7 ኣረኣእዮ።

ድሕሪ ደጊም ለይቲ ኣይክኸውንን ኢዩ

27. እቶም ኣብ ሓዳስ የሩሳሌም ንምእታው መሰል ዝረኽቡ: እንታይ ተወሳኺ በረኸት ከም ዘለዎም ኢዩ ዮሃንስ ዝጠቅስ: “ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ” ዝብሃልከ ስለምንታይ ኢዩ፧

27 ኣብ ሓዳስ የሩሳሌም ከም ምእታው ዝበለ ዘደንቕ መሰል ክህሉ ኣይክእል ኢዩ! ሕስብ እሞ ኣብሎ—እቶም ሓደ ግዜ ትሕት ዝበሉን ዘይፍጹማትን ዝነበሩ ሰባት ክፍሊ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ግርማዊ ምድላው ንምዃን ንየሱስ ናብ ሰማይ ክስዕብዎ ኢዮም! (ዮሃንስ 14:2) ዮሃንስ ገለ ካብቲ እዚኣቶም ከስተማቕርዎ ዘለዎም በረኸት ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ: ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን ኣብኣ ኪኸውን እዩ: እቶም ባሮትውን ኬገልግልዎን ገጹ ኺርእዩን እዮም: ስሙውን ኣብ ገግምባሮም ኪኸውን እዩ።” (ራእይ 22:3, 4) እቲ ናይ እስራኤላውያን ክህነት ክበላሾ ኸሎ መርገም የሆዋ ወረዶም። (ሚልክያስ 2:2) እቲ ዘይእሙን ‘ቤት’ የሩሳሌም ከም እተጠንጠነ የሱስ ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 23:37-39) ኣብ ሓዳስ የሩሳሌም ግን “ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ምስ ዘካርያስ 14:11 ኣረኣእዮ።) ኵላቶም ተቐማጦኣ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብናይ ፈተናታት ሓዊ ተፈቲኖም ዓወት ድማ ስለ ዝረኸቡ ‘ዘይሐልፍን ዘይመውትን’ ህይወት ክለብሱ ኢዮም። የሆዋ ከምቲ ንየሱስ ዝፈለጦ: እዚኣቶምውን ፈጺሞም ከም ዘይወድቁ ይፈልጥ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:53, 57) ብተወሳኺ: “ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን” ኣብኡ ክህሉ ስለ ዝዀነ: እታ ኸተማ ንዘለኣለም ብድሓን ክትነብር ኢያ።

28. ኣባላት ናይ ሓዳስ የሩሳሌም ኣብ ግምባሮም ስም ኣምላኽ ዝጽሓፎም ስለምንታይ ኢዩ: ኣብ ቅድሚኦምከ እንታይ ባህ ዘብል ተስፋ ኢዩ ዘሎ፧

28 ከም ዮሃንስ ኵሎም ኣባላት ናይዛ ሰማያዊት ከተማ እዚኣ ‘ባሮት’ ኣምላኽ ኢዮም። ከምኡ ስለ ዝዀኑ ድማ ስም ኣምላኽ ኣብ ግምባሮም ጐሊሑ ተጻሒፉ ይርአ: እዚ ድማ ንሱ ዋንኦም ከም ዝዀነ የፍልጦም። (ራእይ 1:1፣ 3:12) ከም ክፍሊ ናይ ሓዳስ የሩሳሌም መጠን ቅዱስ ኣገልግሎት ከቕርቡሉ ብዋጋ ክሽነን ዘይክእል መሰል ገይሮም ኢዮም ዝቘጽርዎ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ: ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ንመጻኢ ገዛእቲ ዝዀኑ: “ጽሩያት ልቢ: ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” ብምባል ባህ ዘብል ተስፋ ሂቡዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 5:8) እዞም ባሮት እዚኣቶም ንየሆዋ ብሓቂ ክርእይዎን ከምልኽዎንሲ ኣየ ክንደይ ክሕጐሱ ኰን ኢዮም!

29. ዮሃንስ ብዛዕባ ሓዳስ የሩሳሌም “ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ ኣይኪኸውንን” ዝብል ስለምንታይ ኢዩ፧

29 ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኬብርሃሎም: . . . ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ ኣይኪኸውንን: ብርሃን ቀንዴልን ብርሃን ጸሓይንውን ኣይኬድልዮምን እዩ።” (ራእይ 22:5) ጥንታዊት የሩሳሌም: ከም ኵለን ኣብ ምድሪ ዘለዋ ከተማታት: ብመዓልቲ ናይ ጸሓይ ብርሃን: ብለይቲ ኸኣ ወርሕን ሰብ ዝሰርሖ ብርሃንን ኢዩ ዘብርሃላ ነይሩ። ኣብታ ሰማያዊት ሓዳስ የሩሳሌም ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ብርሃን ኣይከድልን ኢዩ። ነታ ኸተማ: የሆዋ ባዕሉ ኢዩ ዘብርሃላ። “ለይቲ” ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንመከራን ካብ የሆዋ ምፍላይን እውን ከመልክት ይኽእል ኢዩ። (ሚክያስ 3:6፣ ዮሃንስ 9:4፣ ሮሜ 13:11, 12) ኣብ ቅድሚ እቲ ግርማውን ድሙቕን ህላወ ናይቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ለይቲ ፈጺሙ ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ።

30. ዮሃንስ ነቲ ግርማዊ ትርኢት ብኸመይ ይድምድሞ: መጽሓፍ ራእይኸ እንታይ ኢዩ ዘረጋግጸልና፧

30 ዮሃንስ ነዚ ብዛዕባ እቶም ባሮት ኣምላኽ ዝገልጽ ግርማዊ ትርኢት “ንዘለኣለመ ኣለምውን ኪነግሱ ኢዮም” ብምባል ይዓጽዎ። (ራእይ 22:5) ሓቂ ኢዩ: ኣብ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት በቲ በጅነት ዝርከብ ጥቕምታት ብምልኣት ኣብ ግብሪ ክውዕል ኢዩ: የሱስ ድማ ንኣቡኡ ፍጹም ሰብኣዊ ዓሌት ከቕርበሉ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:25-28) ብድሕሪኡ: የሆዋ ንየሱስ ከምኡውን ነቶም 144,000 እንታይ ሓሲቡሎም ከም ዘሎ እንፈልጦ ነገር የለን። መጽሓፍ ራእይ ግን እቲ ንየሆዋ ዘቕርብዎ መሰል ዘለዎ ቅዱስ ኣገልግሎት ንዘለኣለም ክቕጽል ከም ዝዀነ የረጋግጸልና።

ናይ መጽሓፍ ራእይ ዘሐጕስ ፍጻሜ

31. (ሀ) ትርኢት ናይ ሓዳስ የሩሳሌም እንታይ ፍጻሜ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) ሓዳስ የሩሳሌም ንኻልኦት እሙናት ደቅሰብ እንታይ ክትፍጽመሎም ኢያ፧

31 እቲ መጽሓፍ ራእይ ዘመልክተሉ ዘሐጕስ ፍጻሜ: ናይታ መርዓት እቲ ገንሸል ዝዀነት ሓዳስ የሩሳሌም ትርኢት ክዉን ምዃን ኢዩ: ከምኡ ምዃኑ ኸኣ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኵሎም እቶም እዛ መጽሓፍ መጀመርታ እተጻሕፈትሎም ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነብሩ ናይ ዮሃንስ ብጾት ክርስትያናት: ከም ዘይሞቱ መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ምስ ክርስቶስ ናብታ ከተማ ናይ ምእታው ተስፋ ነይርዎም ኢዩ። እቶም ሎሚ ገና ኣብ ምድሪ ብህይወት ዘለዉ ተረፍ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናትውን ሓደ ዓይነት ተስፋ ኢዩ ዘለዎም። በዚ ኸምዚ ኵሎም ኣባላት እታ መርዓት ምስቲ ገንሸል ምስ ሓበሩ መጽሓፍ ራእይ ናብቲ ዓቢ ፍጻሜኣ ትበጽሕ። ካብኡ ቐጺሉ: ብሓዳስ የሩሳሌም ኣቢሉ እቲ ብናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ዝርከብ ረብሓታት ንደቅሰብ ኣብ ግብሪ ክውዕለሎም ኢዩ: ስለዚ ኣብ መወዳእታ ኵሎም እሙናት ሰባት ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ኢዮም። በዚ መገዲ እዚ እታ መርዓት: ሓዳስ የሩሳሌም ከም እምንቲ ሓጋዚት ናይቲ መርዓዊኣን ንጉስን ብምዃን: ንዘለኣለም ሓደ ጻድቕ ሓድሽ ምድሪ ኣብ ምህናጽ ክትካፈል ኢያ—ኵሉ ንኽብሪ እቲ ሉዓላዊ ጐይታና የሆዋ ክኸውን ኢዩ።—ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 10:10, 16፣ ሮሜ 16:27

32, 33. ካብ መጽሓፍ ራእይ እንታይ ተማሂርና: ካብ ልቢ ዝነቐለ መልስናኸ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝግብኦ፧

32 ንመጽሓፍ ራእይ ዝገበርናዮ ምምርማር ናብ ምዕጻው ኣቢሉ ክኸይድ ከሎ: ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዝስመዓና! እቲ ናይ ሰይጣንን ዘርኡን ናይ መወዳእታ ጻዕሪ ፈጺሙ ከም ዝፈሸለን እቲ ናይ የሆዋ ጻድቕ ፍርድታት ድማ መሊኡ ከም እተፈጸመን ርኢና ኢና። ዓባይ ባቢሎን ካብ ህላወ ንዘለኣለም ከተልግስ ኣለዋ: ኵሉ እቲ ተስፋ ዘይብሉ ብልሽው ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ድማ ደድሕሪኣ ይስዕብ። ሰይጣን ንገዛእ ርእሱን ኣጋንንቱን ኣብ መዓሙቝ ክኣትዉ: ጸኒሖም ድማ ክጠፍኡ ኢዮም። ትንሳኤን ፍርድን እናዀነ ኸሎ ሓዳስ የሩሳሌም ምስ ክርስቶስ ኰይና ኣብ ሰማይ ክትገዝእ ኢያ: ኣብ መወዳእታ ድማ ፍጹማት ደቅሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከስተማቕሩ ኢዮም። መጽሓፍ ራእይ ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢያ ህያው ገይራ እተቕርቦ! ነቲ ‘ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ናይ ዘለኣለም ወንጌል ክንሰብከሎም’ ዘሎና ቈራጽነት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢያ ተደልድለልና! (ራእይ 14:6, 7) ንስኻኸ ኣብዚ ዓቢ ዕዮ እዚ መሊእካዶ ትካፈል ኣሎኻ፧

33 እምበኣርከስ ልብና ብምስጋና መሊእና ነተን መዛዘሚ ቃላት ናይ መጽሓፍ ራእይ ነቕልበለን።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ምስፋር “ብእመት ሰብኣይ: ንሱ ድማ ናይ መልኣኽ” ምዃኑ: እታ ኸተማ በቶም መጀመርታ ሰባት ዝነበሩ ድሓር ግን መንፈሳውያን ፍጡራት ብምዃን ከም መላእኽቲ ዝዀኑ 144,000 እተተሓሓዘ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል።

b እቲ ናይቲ “ገንሸል ጥቕላል ህይወት” ስም ናይቶም 144,000 መንፈሳውያን እስራኤል ጥራይ ሒዙ ከም ዘሎ ኣስተብህል። በዚ ኸምዚ ካብቲ ነቶም ኣብ ምድሪ ህይወት ዝቕበሉ ዘጠቓልል “መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ህይወት” እተፈልየ ኢዩ።—ራእይ 20:12

c እቲ “ህዝብታት” ወይ “ኣህዛብ” ዝብል መግለጺ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ኣባላት ናይ መንፈሳዊት እስራኤል ዘይኰኑ ከም ዘመልክት ኣስተብህል። (ራእይ 7:9፣ 15:4፣ 20:3፣ 21:24, 26) ኣብዚ ናይዛ መግለጺ እዚኣ ኣጠቓቕማ: ደቅሰብ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ብብሄራት ተኸፋፊሎም ክቕጽሉ ምዃኖም ዝሕብር ኣይኰነን።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]