ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ ዓባይ ከተማ ዓንያ

እታ ዓባይ ከተማ ዓንያ

ምዕራፍ 36

እታ ዓባይ ከተማ ዓንያ

ትርኢት 12​—ራእይ 18:1-19:10

ቀንዲ መልእኽቲ:- ውድቀትን ጥፍኣትን ዓባይ ባቢሎን፣ መርዓ ናይቲ ገንሸል ይንገር

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ካብ 1919 ክሳዕ ድሕሪ እቲ ዓቢ ጸበባ ዘሎ ግዜ

1. ምልክት ምጅማር ናይቲ ዓቢ ጸበባ እንታይ ኢዩ፧

 ናይ ዓባይ ባቢሎን ሞት ሃንደበታዊ: ዘርዕድ: ኣዕናዊ ክኸውን ኢዩ! እቲ ‘ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን መከራ [“ዓቢ ጸበባ:” NW]’ ከም ዝጀመረ ብምምልካት ኣብ ታሪኽ ብምሉኡ እቲ ኣዝዩ ቀዛፊ ፍጻመታት ክኸውን ኢዩ።—ማቴዎስ 24:21

2. ፖለቲካውያን ሃጸያት ተንሲኤንን ወዲቐንን እኳ እንተዀና: እንታይ ዓይነት ሃጸይ ኢያ ዝቐጸለት፧

2 ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንነዊሕ ግዜ ጸኒሑ ኢዩ። ካብ መዓልታት ናይቲ ንየሆዋ እተጻረረ: ሰባት ድማ ግምቢ ባቤል ከም ዝሃንጹ ዝገበረ: ጽምኢ ደም ዝነበሮ ኒምሮድ ኣትሒዙ ኣብ ህላወ ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ንቛንቋ ናይቶም ዓለወኛታት ምስ ሓዋወሶ: ናብ ኵላ ምድሪ ኸኣ ፋሕ ምስ ኣበሎም ናይ ባቢሎን ሓሶት ሃይማኖት ምስኦም ተጓዕዘ። (ዘፍጥረት 10:8-10፣ 11:4-9) ካብቲ እዋን እቲ ጀሚሩ ፖለቲካውያን ሃጸያት ተንሲኤንን ወዲቐንን እየን: ባቢሎናዊ ሃይማኖት ግን ቀጸለ ድኣ። እታ ብትንቢት እተነግረላ ዓባይ ባቢሎን: ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብምዃን ብዙሕ መልክዕን ዓይነትን ሓዘት። እታ ቐንዲ ክፍሊ ናይ ዓባይ ባቢሎን: እታ ንባቢሎናዊ ትምህርቲ ምስ ክሕደት ናይ “ክርስትያን” ሰረተ-እምነት ብምውህሃድ ዝመጸት ህዝበ-ክርስትያን ኢያ። ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ነዊሕ ዝዀነ ታሪኽ ናይ ዓባይ ባቢሎን: ብዙሓት ሰባት ክትጠፍእ ኢያ ኢሎም ክኣምኑ ይኸብዶም ኢዩ።

3. መጽሓፍ ራእይ ንጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኸመይ ተረጋግጸልና፧

3 ስለዚ መጽሓፍ ራእይ ናይ ውድቀታን ናይቲ ናብ ፍጹም ምብዳማ ዝመርሕ ፍጻመታትን ክልተ ዝርዝር መግለጺ ብምሃብ ብዛዕባ ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከተረጋግጸልና ግቡእ ኢዩ። ድሮ በቶም ቅድም ኣፍቀርታ ዝነበሩ ፖለቲካውያን ገዛእቲ ከም እትጠፍእ “ዓባይ ኣመንዝራ” ኰይና ርኢናያ ኣሎና። (ራእይ 17:1, 15, 16) ሕጂ ድማ ኣብ ካልእ ትርኢት ከም ሓንቲ ከተማ: ሃይማኖታዊት ተምሳል ናይታ ጥንታዊት ባቢሎን ገይርና ክንርእያ ኢና።

ዓባይ ባቢሎን ክምብል ትብል

4. (ሀ) ዮሃንስ ቀጺሉ እንታይ ትርኢት ኢዩ ዝርኢ፧ (ለ) ነቲ መልኣኽ ከነለልዮ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና: ውድቀት ናይ ዓባይ ባቢሎን ክእውጅ ግቡእ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ዮሃንስ ነቲ ጸብጻብ ከምዚ ኢሉ ብምንጋር ይቕጽል:- “ድሕርዚ ኸኣ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ብኽብሩውን ምድሪ በርሄት። ንሱ ኸኣ፤ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ: ወዲቓ: . . . እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ።” (ራእይ 18:1, 2) ዮሃንስ ነዚ ናይ መልኣኽ ኣዋጅ ንኻልኣይ ግዜኡ ኢዩ ዝሰምዖ። (ራእይ 14:8 ርአ።) ይኹን እምበር: ኣብዚ እዋን እዚ ትርጕም ናይቲ ትርኢት ብዕቤት ናይቲ ሰማያዊ መልኣኽ ጐሊሑ ኣሎ: ከመይሲ ክብሩ ንዅላ ምድሪ ኢዩ ዘብርህ! መን ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧ ነዊሕ ክፍለ-ዘበናት ኣቐዲሙ ነብዪ ህዝቅኤል ብዛዕባ ሰማያዊ ትርኢት ጸብጻብ ከቕርብ ከሎ: ‘ምድሪ ብኽብሩ [ብናይ የሆዋ] በርሀት’ በለ። (ህዝቅኤል 43:2) እቲ ምስ ናይ የሆዋ ብዝመሳሰል ክብሪ ከብርህ ዝኽእል እንኮ መልኣኽ: እቲ “ናይ ክብሩ [ናይ ኣምላኽ] ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን” ዝዀነ ጐይታና የሱስ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። (እብራውያን 1:3) ብ1914 የሱስ ሰማያዊ ንጉስ ኰነ: ካብቲ እዋን እቲ ጀሚሩ ድማ ከም ናይ የሆዋ ተሓባባሪ ንጉስን ፈራድን ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስልጣን የዘውትር ኣሎ። ውድቀት ዓባይ ባቢሎን ክእውጅ እምበኣር ዝግባእ ኢዩ።

5. (ሀ) እቲ መልኣኽ ውድቀት ናይ ዓባይ ባቢሎን ንምእዋጅ ብመን ኢዩ ዝጥቀም፧ (ለ) ፍርዲ በቶም “ቤት ኣምላኽ” ኢና ዝብሉ ምስ ጀመረ ህዝበ-ክርስትያን ከመይ ሓሊፋቶ፧

5 እዚ ዓቢ ስልጣን ዘለዎ መልኣኽ ነዚ ዘስተንክር ዜና ንደቅሰብ ንምእዋጅ ብመን ኢዩ ዝጥቀም፧ በቶም ብምኽንያት እቲ ውድቀት እቲ እተፈነዉ ህዝቢ: በቶም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ ቅቡኣት ክፍሊ ዮሃንስ: ገይሩ ኢዩ ዝፍጽሞ። ካብ 1914 ክሳዕ 1918 እዚኣቶም ኣብ ኢድ ዓባይ ባቢሎን ብዙሕ ስቓይ ኣሕሊፎም ኢዮም: ብ1918 ግን ጐይታ የሆዋን እቲ “መልአኽ [ናይ ኣብርሃም] ቃል ኪዳን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ፍርዶም በቲ “ቤት ኣምላኽ:” በቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ጀመሩ። በዚ ኸምዚ እታ ከሓዲት ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ፍርዲ ቐረበት። (ሚልክያስ 3:1፣ 1 ጴጥሮስ 4:17) እቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዘውረደቶ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ደም ገበንን ንናይ የሆዋ እሙናት መሰኻኽር ንምስጓግ ምትሕብባራን እቲ ባቢሎናዊ እምነታታን ኣብ ግዜ ፍርዲ ክድግፋ ኣይከኣለን፣ ካልእ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ናይ ዓባይ ባቢሎንውን እንተዀነ ስምረት ኣምላኽ ዝግብኦ ኣይነበረን።—ምስ ኢሳይያስ 13:1-9 ኣረኣእዮ።

6. ዓባይ ባቢሎን ብ1919 ወዲቓ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ስለዚ ብ1919 ዓባይ ባቢሎን ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ናይ መንፈሳዊ ብልጽግና ቦትኦም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብሓንቲ መዓልቲ ክፍነዉን ክምለሱን ዘኽእሎም መገዲ ብምኽፋት ወደቐት። (ኢሳይያስ 66:8) በታ ዓመት እቲኣ: እቶም በቲ ዝዓበየ ዳርዮስን እቲ ዝዓበየ ቂሮስን ዝምሰሉ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን: ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንህዝቢ ኣምላኽ ዓትዒቱ ከይሕዞም ብምባል ነቲ ጉዳይ ለዋወጥዎ። ድሕሪ ደጊም ንየሆዋ ካብ ምግልጋልን ንዅሎም እቶም ዝሰምዑ ኸኣ እታ ኣመንዝራ መሰል ዓባይ ባቢሎን ከም እትጠፍእን: ሉዓላውነት የሆዋ ዝረጋገጸሉ ግዜ ድማ ቀሪቡ ምዃኑ ንኽነግሩ ኣይክትዓግቶምን ኢያ!—ኢሳይያስ 45:1-4፣ ዳንኤል 5:30, 31

7. (ሀ) ዓባይ ባቢሎን ብ1919 እኳ እንተ ዘይጠፍአት የሆዋ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝረኣያ፧ (ለ) ዓባይ ባቢሎን ብ1919 ምስ ወደቐት ንህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ኣምጽኣሎም፧

7 ሓቂ ኢዩ: ልክዕ ከምታ ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን ኣብ ኢድ ሰራዊት ቂሮስ ፋርሳዊ ምስ ወደቐት ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ዘይጠፍአት: ዓባይ ባቢሎን ከኣ ብ1919 ኣይጠፍአትን። ብኣረኣእያ የሆዋ ግን እታ ማሕበር እቲኣ ወዲቓ ኢያ። ናይ ኩነኔ ፍርዲ ስለ እተዋህባ ጥፍኣት ኢያ ትጽበ ዘላ፣ ስለዚ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንህዝቢ የሆዋ ድሕሪ ደጊም ማሪኻ ክትሕዞም ኣይትኽእልን ኢያ። (ምስ ሉቃስ 9:59, 60 ኣረኣእዮ።) እዚኣቶም ከም ናይ ጐይታ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኰይኖም መንፈሳዊ መግቢ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ክዕድሉ ተፈነዉ። “ጽቡቕ ገበርካ” ዝብል ፍርዲ ተቐቢሎም እንደገና ኣብቲ ዕዮ የሆዋ ትሑዛት ክዀኑ ተመዘዙ።—ማቴዎስ 24:45-47፣ 25:21, 23 NW፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8

8. እቲ ኣብ ኢሳይያስ 21:8, 9 ተጠቒሱ ዘሎ ሓላዊ ዝኣወጆ ፍጻመ እንታይ ኢዩ: ሎሚ በቲ ሓላዊ እቲ ተመሲሉ ዘሎኸ መን ኢዩ፧

8 ኣሽሓት ዓመታት ይገብር የሆዋ ነዚ ናይ መዋእል መለለዪ ዝዀነ ፍጻመ ንምንባይ ካልኦት ነብያት ተጠቕመ። ኢሳይያስ ብዛዕባ ሓደ “ጐይታየ: መዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ: ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ አሎኹ” ዝብል ሓላዊ ተዛሪቡ ኣሎ። እቲ ሓላዊ ዘስተውዕለሉን ብኸም ናይ ኣንበሳ ዝበለ ትብዓት ዝእውጆን ፍጻመኸ እንታይ ኢዩ፧ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- “ባቢሎንሲ ወዲቓ: ወዲቓ: ኵሉ ምስልታት ጣኦታታ ኣብ ምድሪ [ብየሆዋ] ተሰባበረ።” (ኢሳይያስ 21:8, 9) እዚ ሓላዊ እዚ ጽላሎት ናይዚ ሎሚ ኣዝዩ ነቒሑ ዘሎ ክፍሊ ዮሃንስ ኢዩ: ብመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ካልእ ቲኦክራሲያዊ ጽሑፋት ገይሩ ድማ ዓባይ ባቢሎን ከም ዝወደቐት ኣስፊሑ ይነግር ኣሎ።

ናይ ዓባይ ባቢሎን ምንቍልቋል

9, 10. (ሀ) ጽልዋ ናይ ባቢሎናዊ ሃይማኖት ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ እንታይ ምንቍልቋል ኢዩ ዘጋጠሞ፧ (ለ) እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ነቲ ውዱቕ ኵነታት ናይ ዓባይ ባቢሎን ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ፧

9 እቲ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ምውዳቕ ዓባይ ባቢሎን: ናይቲ ብምብዳም እተዛዘመ ነዊሕ ምንቍልቋል መጀመሪ ኢዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ: ጽልዋ ናይ ባቢሎናዊ ሃይማኖት: ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ምንቍልቋል ኣርእዩ ኢዩ። ኣብ ጃፓን ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እቲ ናይ ሺንቶ ኣምልኾ ሃጸይ ተወጊዱ ኢዩ። ኣብ ቻይና: ንዅሉ ሃይማኖታዊ ምምዛዝን ንጥፈታትን እቲ ናይ ኮሙኒስት መንግስቲ ኢዩ ዝቈጻጸሮ። ኣብቲ ፕሮተስታንት ዝዀነ ሰሜናዊ ኣውሮጳ መብዛሕትኦም ሰባት ንሃይማኖት ግዲ ዘይብሎም ኰይኖም ኣለዉ። ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ግዝኣታ ብምጕጅጃልን ብውሽጣዊ ዘይምስምማዕን ተዳኺማ ኢያ።—ምስ ማርቆስ 3:24-26 ኣረኣእዮ።

10 ብዘይጥርጥር ኵሉ እዚ ዝምባለታት እዚ: ነቲ ኣብ ዓባይ ባቢሎን ዝወርድ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዘዳሉ ክፍሊ ናይ ‘ምንጻፍ ርባ ኤፍራጥስ’ ኢዩ። እዚ ‘ምንጻፍ’ እዚ ኣብቲ እቲ ጳጳስ ብጥቅምቲ 1986 ዝኣወጆ ክንጸባረቕ ክኢሉ ኣሎ: ኣብኡ ቤተ-ክርስትያን ብምኽንያት ብዙሕ ክሳራ “እንደገና ለማኒት ክትከውን ኢያ” በለ። (ራእይ 16:12) ብሕልፊ ካብ 1919 ዓባይ ባቢሎን ልክዕ ከምቲ እቲ ሓያል መልኣኽ “ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን: ሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዅሉ ዑፍን ኰይና” ኢሉ ዝኣወጆ: መንፈሳዊት ምድረበዳ ኰይና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተቓሊዓ ኢያ። (ራእይ 18:2) ብዝቐልጠፈ እዋን ቃል ብቓሉ ከምቲ ኣብዛ ዘመናዊት ኢራቕ ዘሎ ኵምራታት ባቢሎን ኰይና ክትባድም ኢያ።—ኤርምያስ 50:25-28 እውን ርአ።

11. ዓባይ ባቢሎን “ማሕደር ኣጋንንትን” “ሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዅሉ ዑፍን” ዝዀነት በየናይ መገዲ ኢያ፧

11 ኣብዚ እቲ ‘ኣጋንንቲ’ ዝብል ቃል ነቲ ኣብ ኢሳይያስ ብዛዕባ እታ ዝወደቐት ባቢሎን ዘሎ “ጤል-መሰል ኣጋንንቲ” (ሰ‘ይ·ሪምʹ) ዝብል መግለጺ ዘንጸባርቕ ኢዩ ዝኸውን: “ግናኸ ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኺሰፍሩ እዮም: ኣባይታ ጕንጓታት ኪመልእ እዩ: ሰገን ኣብኣ ኺነብራ እየን: [ጤል-መሰል NW] ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኺሰራሰሩ እዮም።” (ኢሳይያስ 13:21) ቃል ብቓሉ ኣጋንንቲ ከይኰኑ ይኽእሉ እዮም: ኣብ ክንድኡ ጨጓራት ኣብ በረኻ ዝነብሩ እንስሳታት ንዝርእይዎም ከኣ ኣጋንንቲ ዘዘኻኽርዎም ክዀኑ ይኽእሉ። ኣብቲ ዑናታት ናይ ዓባይ ባቢሎን ምሳልያዊ ህላወ ናይዞም እንስሳታት እዚኣቶምን ናይቲ ዘይንቀሳቐስ መርዛም ኣየርን (“ርኹሳት መናፍስትን”) ዘይንጹሃት ኣዕዋፍን: ነቲ ብመንፈስ ምዉት ዝዀነ ኵነታታ የመልክት። ንደቅሰብ ዝኸውን ተስፋ ህይወት ፈጺሙ የብላን።—ምስ ኤፌሶን 2:1, 2 ኣረኣእዮ።

12. እቲ ኣብ ዓባይ ባቢሎን ዘሎ ኵነታት ምስቲ ኣብ ኤርምያስ ምዕራፍ 50 ዘሎ ትንቢት ዝሰማማዕ ብኸመይ ኢዩ፧

12 ኵነታታ ምስ ናይ ኤርምያስ ትንቢትውን ይሰማማዕ ኢዩ:- “ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ መሳፍንታን ኣብ ልዕሊ ጥበበኛታታን እዩ: ይብል እግዚአብሄር። . . . ሃገር ቅሩጽ ምስልታት እያ: ብጣኦታት ከኣ ሃተምተም ይብሉ አለዉ እሞ: ድርቂ ኣብ ልዕሊ ማያቶም እዩ: ኪነጽፍ ድማ እዩ። ስለዚ ኣራዊት በረኻ ምስ ወኻሩ ኺነብሩላ: ሰገናትውን ኣብኣ ኺሰፍራ እየን። ደጊም ንሓዋሩ ኣብኣ ዚነብር የልቦን: ንውሉድ ወለዶውን ኣይክትስራሕን እያ።” ንዓባይ ባቢሎን ኣምልኾ ጣኦትን ተደጋጋሚ ጸሎትን ነቲ ናይ ሶዶምን ጎሞራን ዝመስል መቕጻዕቲ ካብ ምርካብ ኣየድሕናን ኢዩ።—ኤርምያስ 50:35-40

ወይኒ ቍጥዓ ምንዝርና

13. (ሀ) እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ነቲ ሰፊሕ ምንዝርና ናይ ዓባይ ባቢሎን ዝገልጾ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እንታይ ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ግኑን ዝነበረ ዘይስነ-ምግባራውነት ኢዩ ኣብ ዓባይ ባቢሎን እውን ዝርከብ፧

13 እቲ ሓያል መልኣኽ ቀጺሉ ነቲ ሰፊሕ ምንዝርና ናይ ዓባይ ባቢሎን ከምዚ ኢሉ ብምእዋጅ ይገልጾ:- “ኵሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርንኣ ሰትዮም: ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሀብቲሞም።” a (ራእይ 18:3) ንዅሎም ህዝብታት ደቅሰብ በቲ ርኹስ ሃይማኖታዊ መገድታታ ሰቢኻቶም ኢያ። ብመሰረት ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ሄሮዶቱስ ዝበሎ: ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣብ ናይ ቤት መቕደስ ኣምልኾ ብምምንዛር ድንግልናኣ ክትህብ ይድለያ ነበረ። ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ: ዘስገድግድ ጾታዊ ብልሽውና ኣብ ካምፖቺያ ኣብቲ ኣብ ናይ ኣንግኮር ዋት ዝርከብ ብውግእ ዝዓነወ ቅርጽታት ከምኡውን ኣብ ህንዲ ኣብቲ ኣብ ካጁራሆ ዝርከብ መቓድስ ዘሎ ናይ ሂንዱ ኣምላኽ ቪሽኑ: ብዘፈንፍን ናይ ጾታዊ ርክብ ዘለዓዕል ትርኢታት ተኸቢቡ ይርአ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ብ1987 ደጊሙውን ብ1988 እተራእየ ንዓለም ዘሰንበደ ምቅላዕ ዘይስነ-ምግባራውነት ናይ ቲቪ ወንጌላውያን ከምኡውን ብኣገልገልቲ ሃይማኖት ኣብ ኵሉ ገኒኑ ዘሎ ተግባር ግብረ ሰዶም: ህዝበ-ክርስትያን እውን ከይተረፈት ነቲ ዘሰንብድ ቃል ብቓሉ ምንዝር ሸለል ኢላቶ ከም ዘላ ዘርኢ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኵሎም ህዝብታት ናይ ዝያዳ ዝኸበደ ዓይነት ምንዝር ግዳይ ኰይኖም ኢዮም።

14-16. (ሀ) ኣብ ግዜ ፋሽስት ኢጣልያ ብመንፈሳዊ መገዲ እንታይ ግቡእ ዘይኰነ ሃይማኖተ-ፖለቲካዊ ዝምድና ኢዩ ዝማዕበለ፧ (ለ) ኢጣልያ ንኣቢሲኒያ ምስ ወረረታ ኣቡናት ናይ ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን እንታይ ሓሳባት ኢዮም ዘቕረቡ፧

14 እቲ ንሂትለር ኣብ ናዚ ጀርመን ተወንጪፉ ናብ ስልጣን ንኽድይብ ዝሓገዞ ዘይግቡእ ሃይማኖተ-ፖለቲካዊ ዝምድና ኣቐድም ኣቢልና ርኢናዮ ኢና። ካልኦት ሃገራትውን ሃይማኖት ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት ጣልቃ ስለ ዝኣተወ ተሳቕየን ኢየን። ንኣብነት: ኣብ ፋሺስት ኢጣልያ ብ11 ለካቲት 1929 ንኸተማ ቫቲካን ሉዓላዊት መንግስቲ ብምግባር: ሙሶሊኒ ምስ ካርዲናል ጋስፓሪ ውዕል ላተራን ተፈራረሙ። ጳጳስ ፕዮስ መበል 11 “ኢጣልያ እንደገና ንኣምላኽ ተዋሂባ: ኣምላኽ ከኣ እንደገና ንኢጣልያ ተዋሂቡ” ብምባል ተዛረበ። እዚ ሓቂ ድዩ ነይሩ፧ ሽዱሽተ ዓመት ጸኒሑ ዝዀነ እሞ ንመርምሮ። ብ3 ጥቅምቲ 1935 ኢጣልያ ንኣቢሲኒያ “ገና ባርነት እተዘውትር ጨካን ሃገር” ብምባል ወረረታ። ብሓቂ ግን መን ኢዩ ጨካን ኰይኑ ዝነበረ፧ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ንናይ ሙሶሊኒ ጭካነ ኰኒናቶዶ፧ እቲ ጳጳስ ዘይንጹር ሓሳባት እኳ እንተ ኣውጽአ: እቶም ኣቡናቱ ነቲ ሰራዊት “ንዓደቡኦም” ኢጣልያ ንምብራኽ ደሃዮም ኣጸቢቖም ኣስሚዖም ኢዮም። ኣንቶኒ ሮደስ ኣብታ ዘ ቫቲካን ኢን ዘ ኤጅ ኦቭ ዲክታተርስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝብል ጸብጻብ የቕርብ:-

15 “ኣብታ ብ19 ጥቅምቲ [1935] እተጻሕፈት ናይ ጕስነት ደብዳበኡ: እቲ ኣቡን ናይ ኡዲነ [ኢጣልያ] ‘ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣቲና ቅኑዕን ጌጋን ክንብል ግዜኡን ንዓና ዝሰማማዕን ኣይኰነን። ከም ኢጣልያውያን መጠን ብሕልፊ ድማ ክርስትያን ከም ምዃንና መጠን ንዓወት ናይ ሰራዊትና እጃምና ከነበርክት ኢዩ ግቡእና’ ኢሉ ጸሓፈ። ኣቡን ናይ ፓዱዋ ብ21 ጥቅምቲ ‘ኣብዘን እነሕልፈን ዘሎና ጽንኩራት ሰዓታት ኣብ መራሕትናን ኣብ ሰራዊትናን እምነት ክትገብሩ ንሓተኩም ኣሎና’ ኢሉ ጸሓፈ። ብ24 ጥቅምቲ ኣቡን ናይ ክረሞና ሓያለይ ናይ ሰራዊት ባንዴራታት ባረኸ: ከምዚ ኸኣ በለ:- ‘በረኸት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ መሬት ኣፍሪቃ ነቲ ብልሂ ኢጣልያዊ ሓድሽን ልሙዕን መሬት ዝሕዙ: ብእኡ ኣቢሎም ከኣ ሮማውን ክርስትያናውን ባህሊ ዘልምዱ ወተሃደራት ይኹን። ኢጣልያ እንደገና ክርስትያን መምህር ናይ ብዘላ ዓለም ኰይና እትቐውም ይግበራ።’”

16 ኣቢሲኒያ ብምብራኽ ናይ ቤተ-ክህነት ሮማዊት ካቶሊክ ተዓመጸት። ካብዚኣቶምሲ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ካብ ደም ኵልኻትኩም ንጹህ [ኢየ]” ዝበሎ ክብል ዝኽእል ነይሩዶ፧—ግብሪ ሃዋርያት 20:26

17. ስጳኛ: ካህናታ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት” ካብ ምልዋጥ ስለ ዝሰነፉ እንታይ ስቓይ ኢያ ዝረኸበት፧

17 ኣብ ርእሲ ጀርመን: ኢጣልያ: ከምኡውን ኣቢሲኒያ ግዳይ ምንዝርና ዓባይ ባቢሎን ዝዀነት ስጳኛ ኢያ ነይራ። ገለ ምኽንያት ናይቲ ብ1936-39 ኣብታ ሃገር እተወልዐ ናይ ሓድሕድ ኲናት: እቲ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ነቲ ዓቢ ስልጣን ናይ ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ንምንካይ ስጕምቲ ብምውሳዱ ኢዩ ነይሩ። እቲ ውግእ እናቐጸለ ክኸይድ ከሎ እቲ ናይ ሰውራዊ ሓይልታት መራሒ ዝነበረ ካቶሊክ ፋሺስት ፍራንኮ: ንገዛእ ርእሱ “ክርስትያን ጀነራል ናይቲ ቅዱስ ኲናት መስቀላውያን” ኢሉ ጸውዓ: ደሓር ግን ነዚ ሽመት እዚ ገዲፍዎ ኢዩ። ኣብቲ ውግእ ሓያለይ ኣማእት ኣሽሓት ስጳኛውያን ሞቱ። ብዘይካዚ: ብመሰረት ሓደ እተገብረ ማእከላይ ግምት: ናይ ፍራንኮ ናሽናሊስት 40,000 ዝኣኽሉ ናይ ፖፑላር ፍሮንት ኣባላት ቀቲሎም: እቶም ናይ ፖፑላር ፍሮንት ኣባላትውን 8,000 ዝዀኑ ፈለስቲ: ኻህናት: ደናግልን ጀመርትን ቀተሉ። ሓድሕዳዊ ውግእ ከምዚ ዝበለ ራዕድን መዓትን ስለ ዘስዕብ: ነቲ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” ዝብል ቃላት የሱስ ምስማዕ ጥበብ ምዃኑ የብርህ። (ማቴዎስ 26:52) ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ምፍሳስ ደም ተኣሊኻ ምርካባስ ኣየ ክንደይ ዘስገድግድ ኰን ኢዩ! ብርግጽ: ኣቕሽሽታ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት” ካብ ምልዋጥ ፈጺሞም ሰኒፎም ኢዮም!—ኢሳይያስ 2:4

ነጋዶ

18. ‘ነጋዶ ምድሪ’ መን ኢዮም፧

18 እቶም ‘ነጋዶ ምድሪ’ ተባሂሎም ዘለዉ መን ኢዮም፧ ብዘይጥርጥር ሎሚ ነጋዶ: ናይ ንግዲ ንጉዓት: ናይ ዓቢ ንግዲ ሓይልን ቍጽጽርን ዘለዎም ኢልና ኢና እንጽውዖም። እዚ ግን ኣብ ሕጋዊ ንግዲ ምጽማድ ጌጋ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ንነጋዶ ካብ ምድልሃቕን ስስዐን ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ክጥንቀቑ ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ይህቦም ኢዩ። (ምሳሌ 11:1፣ ዘካርያስ 7:9, 10፣ ያእቆብ 5:1-5) እቲ ዝዓበየ ረብሓ “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:6, 17-19) ይኹን እምበር: ናይ ሰይጣን ዓለም ጽድቃዊ ስርዓታት ኣይትስዕብን ኢያ። ብልሽውና መሊኡ ኢዩ። ኣብ ሃይማኖት: ኣብ ፖለቲካ ከምኡውን ኣብ ዓቢ ንግዲ ይርከብ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ መራኸቢ ብዙሃን ነቲ ከም ምጥፍፋእን ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣጽዋርን ዝኣመሰለ ብላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ ዝፍጸም ነውሪ የቃልዕ ኢዩ።

19. ነጋዶ ምድሪ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብሕማቕ ተጠቒሶም ዘለዉ ስለምንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ ዝሕግዘና እንታይ ብዛዕባ ቍጠባ ዓለም ዘሎ ጭብጢ ኢዩ፧

19 ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ደቅሰብ እቲ ንህይወት ዘድሊ ነገራት ሓሪምዎም ከሎ: ኣህጉራዊ ንግዲ ናይ ኣጽዋር ውግእ ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 1,000,000,000,000 ዶላር ይበጽሕ ኣሎ። እዚ ሕማቕ ነገር ኢዩ። ኣጽዋር ግን ነቲ ናይ ዓለም ቍጠባ መሰረታዊ ደገፍ ኰይንዎ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ብ11 ሚያዝያ 1987 ኣብቲ ናይ ለንደን ስፐክታተር (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ዓንቀጽ ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ኣቕረበ:- “ነቲ ብቐጥታ ምስኡ ዝራኸብ ኢንዱስትሪታት ጥራይ እንተፈቒድና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 400,000 ኣብ ኣውሮጳ ኸኣ 750,000 ሰራሕተኛታት ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ዘገርም ግን እቲ ኣጽዋር ንምድላብ ዝግበር ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ዕማም ኣናዓበየ ክኸይድ ከሎ: እቲ እቶም ኣፍረይቲ ጽቡቕ መከላኸሊ ረኺቦምዶ ዝብል ሕቶ ግን ንድሕሪት ተገዲፉ ኢዩ።” ቦምባታትን ካልእ ኣጽዋርን ኣብ ብዘላ ምድሪ ነቶም ጸላእቲ ክዀኑ ዝኽእሉውን ከይተረፈ ብምሻጥ ብዙሕ መኽሰብ ኢዩ ዝርከብ። ሓደ መዓልቲ እቶም ቦምባታት እቲኣቶም ተመሊሶም ነቶም ዝሸጥዎም ዘለዉ ዝድምስሱ ናይ ሓዊ ህልቂት ሒዞም ክመጹ ይኽእሉ ኢዮም። ኣየ ከመይ ዝበለ ግርንቢጥ ኰን ኢዩ! ኣብ ልዕሊ እዚ ዝውሰኽ ከኣ እቲ ንናይ ኣጽዋር ኢንዱስትሪ ከቢብዎ ዘሎ ምምዝማዝ ኢዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ: ስፐክታተር ብዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት “ፔንታጎን ነፍሲ ወከፍ ዓመት 900 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣጽዋርን ናውትን ኣብዚ ኣተወ ከይተባህለ የጥፍእ።” ነጋዶ ምድሪ እምበኣር ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብሕማቕ ተጠቒሶም ምህላዎም ኣይገርምን ኢዩ!

20. ሃይማኖት ኣብ ብልሽው ናይ ንግዲ ተግባራት ከም ዝኣቱ ዘርኢ እንታይ ኣብነት ኣሎ፧

20 ኣቐዲሙ በቲ ክቡር መልኣኽ ከም እተነግረ: ሃይማኖት ኣብ ከምዚ ዝበለ ብልሽው ናይ ንግዲ ተግባራት ኣጸቢቑ ኢዱ ኣእትዩ ኢዩ። ንኣብነት: ቫቲካን ኣብቲ ብ1982 ንናይ ኢጣልያ ባንኮ ኣምብረስያኖ ዘጋጠሞ ውድቀት ኢዳ ኣእትያ ኢያ። ‘እቲ ገንዘብ ኣበይ ከይዱ፧’ ዝብል ዘይተመለሰ ሕቶ ስለ ዝነበረ እቲ ጉዳይ ኣብ 1980ታት ጐተት ይብል ነበረ። ብለካቲት 1987 ናይ ሚላን ፈራዶ ንሰለስተ ኻህናት ቫቲካንን ንሓደ ኣመሪካዊ ኣቡንን ኣብቲ ጥፈሻ ዘስዓበ ምትላል ተሓጋገዝቲ ኢኹም ብዝብል ክሲ ብሕጊ ተኣሲሮም ክቐርቡ መጸዋዕታ ኣምጽኡሎም፣ ቫቲካን ግን ነቲ ናይ ምርካብ ሕቶ ነጸገቶ። ብሓምለ 1987 ናይ ተቓውሞ ዋጭዋጭ እናተሰምዐ ክነሱ: ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ቫቲካንን መንግስቲ ኢጣልያን ዝነበረ ናይ ቀደም ውዕል: እቲ መጸዋዕታ በቲ ናይ ኢጣልያ ዝለዓለ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ተሰረዘ።

21 የሱስ ኣብቲ ብግዜኡ ዝነበረ ዘተሓታትት ንግዲ ምትእስሳርዶ ነይርዎ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: የሱስ ብዓል ጥሪት እውን ኣይነበረን: ከመይሲ “ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ” ኣይነበሮን። ሓደ ሃብታም መንእሰይ ገዛኢ ካብ የሱስ: “ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ: ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ: ንዓውን ስዐበኒ” ዝብል ምኽሪ ተቐበለ። እዚ ሰናይ ምዕዶ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ነቲ ብጉዳያት ንግዲ ዝመጽእ ኵሉ ጭንቀታት ከጥፍኣሉ ምኸኣለ ነይሩ። (ሉቃስ 9:58፣ 18:22) ምስ እዚ ብምንጽጻር: ባቢሎናዊ ሃይማኖት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ዓቢ ንግዲ ኣጸያፊ ምትእስሳር ኣለዎ። ንኣብነት: ብ1987 ኣልባኒ ታይምስ ዩንዮን (እንግሊዝኛ): እቲ ናይ ሚያሚ ፍሎሪዳ ሕ.መ.ኣ. ናይ ካቶሊክ ኣመሓዳሪ ፋይናንስ: እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብተን ኑክሌራዊ ኣጽዋር: R ዝብል መምዘኒ ዘለዎ ፊልምታት: ከምኡውን ሽጋራ ዝሰርሓ ኩባንያታት ኣክስዮን ከም ዘለዋ ምእማኑ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣቕረበት።

‘ኣቱም ህዝበይ ካብኣ ውጹ’

22. (ሀ) ካብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ እንታይ ኢዩ ዝብል፧ (ለ) ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ከምኡውን ብ1919 ከ.ኣ.ዘ. ንህዝቢ ኣምላኽ ናብ ሓጐስ ዝመርሖም እንታይ ነበረ፧

22 እተን ቀጺለን ዘለዋ ቃላት ዮሃንስ ናብቲ ቐጺሉ ክፍጸም ዘለዎ ትንቢታዊ መርኣያ ዘመልክታ ኢየን:- “ካብ ሰማይ ድማ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ: ከምዚ ዚብል: ኣቱም ህዝበይ: . . . ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ።” (ራእይ 18:4) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ ውድቀት ናይ ጥንታዊት ባቢሎን ዝዛረብ ትንቢታት: “ካብ ማእከል ባቢሎን ህደሙ” ዝብል ትእዛዝ የሆዋ ዘጣምሩ እውን ኢዮም ነይሮም። (ኤርምያስ 50:8, 13) ብተመሳሳሊ: ብመሰረት እቲ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ዝመጽእ ምብዳም: ሕጂ ህዝቢ ኣምላኽ ክሃድሙ ምሕጽንታ ይቐርበሎም ኣሎ። ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ካብ ባቢሎን ናይ ምህዳም ኣጋጣሚ ነቶም እሙናት እስራኤላውያን ብዙሕ ሓጐስ ኢዩ ኣምጺኡሎም። ምስዚ ብዝሰማማዕ መገዲ: ብ1919 ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባቢሎናዊ ምርኮ ምስ ተፈነዉ ናብ ሓጐስ መርሖም። (ራእይ 11:11, 12) ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ኸኣ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ነቲ ህደሙ ዝብል ትእዛዝ ሓልዮሞ ኢዮም።

23. እቲ ካብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ ካብ ዓባይ ባቢሎን ምህዳም ህጹጽ ምዃኑ ዘጕልሕ ብኸመይ ኢዩ፧

23 ካብ ዓባይ ባቢሎን ምህዳም: ካብ ኣባልነት ናይ ሃይማኖታት ዓለም ምውጻእ: ከምኡውን ፈጺምካ ምፍላይ ብሓቂዶ ህጹጽ ኢዩ፧ እወ ህጹጽ ኢዩ: ከመይሲ ብዛዕባ ዓባይ ባቢሎን: እዛ ንዘመናት ዝጸንሐት ሃይማኖታዊት ሃጸይ: ናይ የሆዋ ኣረኣእያ ክህልወና ይግባእ። ዓባይ ኣመንዝራ ኢሉ ክጽውዓ ኸሎ ቃላት ከጠዓዕም ብዝብል ምኽንያት ኣይኰነን። ስለዚ ሕጂ እቲ ካብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ ንዮሃንስ ብዛዕባ እዛ ፋይቶት እዚኣ ከምዚ ብምባል ተወሳኺ ሓበሬታ ይህቦ:- “ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ: ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ . . . ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደይዋ: ከምቲ ግብራውን ዕጽፊ ዕጸፉላ። በቲ ዝቐድሓትሉ ጽዋእ ካዕበት ጌርኩም ቅድሑላ። ብልባ፤ ንግስቲ ዀይነ እነብር: መበለት ኣይከውንን: ሓዘንውን ኣይክርእን እየ: ኢላ ኣላ እሞ: ክንዲ እቲ ንርእሳ ዘኽበረትን ዝሐንቀቐትን ጌርኩም: ክንድኡ ስቓይን ሓዘንን ሀብዋ። ስለዚ እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ: እቲ መዓታ: ሞትን ሓዘንን ጥሜትን: ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ እዩ: ብሓዊውን ክትነድድ እያ።”—ራእይ 18:5-8

24. (ሀ) ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዓባይ ባቢሎን ክሃድሙ ዘለዎም ካብ እንታይ ንኸምልጡ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ካብ ዓባይ ባቢሎን ምህዳም ዝሰነፉ ኣብ ከመይ ዝበለ ሓጢኣት ኢዮም ምስኣ ዝጽንበሩ፧

24 እዝስ ሓያል ቃላት ኢዩ! ስለዚ ስጕምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ኢዩ። ኤርምያስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ስጕምቲ ኽወስዱ ክምሕጸኖም ከሎ ከምዚ በሎም:- “ካብ ባቢሎን ህደሙ . . . እዚ እቲ ጊዜ ምፍዳይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ: ንሱ ነቲ ዝገበረቶ ኺፈድያ እዩ። ኣቱም ህዝበይ: ካብ ማእከላ ውጹ። ካብቲ ጕሁር ቍጥዓ እግዚኣብሄር ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ነፍሱ የድሕን።” (ኤርምያስ 51:6, 45) ብተመሳሳሊ መገዲ: እቲ ካብ ሰማይ ዝመጽእ ድምጺ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብቲ መዓት ናይ ዓባይ ባቢሎን ምእንቲ ከይካፈሉ ካብኣ ክሃድሙ ኢዩ ዘጠንቅቖም ዘሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ ዓለም: ንዓባይ ባቢሎንውን ሓዊስካ: ክወርድ ዘለዎ መዓት መሰል ፍርድታት የሆዋ ሕጂ ይእወጅ ኣሎ። (ራእይ 8:1–9:21፣ 16:1-21) ህዝቢ ኣምላኽ ኣብዚ መዓት እዚ ክካፈሉ ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ምስኣ ክሞቱ ዘይደልዩ እንተድኣ ዀይኖም: ገዛእ ርእሶም ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክፈልዩ ከድልዮም ኢዩ። ብተወሳኺ: ኣብ ውሽጢ እታ ማሕበር እቲኣ ምጽናሕ ኣብቲ ሓጢኣታ ከም ዝጽምበሩ ኢዩ ዝገብሮም። ብመንፈሳዊ ምንዝርናን ብደም “ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን” ከምኣ ገበነኛታት ይዀኑ።—ራእይ 18:24፣ ምስ ኤፌሶን 5:11፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:22 ኣረኣእዮ።

25. ህዝቢ ኣምላኽ ካብታ ጥንታዊት ባቢሎን ዝወጹ በየናይ መገድታት ኢዮም፧

25 ህዝቢ ኣምላኽ ግን ካብ ዓባይ ባቢሎን ብኸመይ ኢዮም ዝወጹ፧ ኣብ ኵነታት ናይ ጥንታዊ ባቢሎን እንተርኢና: እቶም ኣይሁድ ካብ ከተማ ባቢሎን ናብ ምድሪ ተስፋ ክኣትዉ ነዊሕ ኣካላዊ ጕዕዞ ክገብሩ ነበሮም። እንተዀነ ግን: ካብኡ ንላዕሊ ዘጣመረ ኢዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ንእስራኤላውያን ብትንቢታዊ መገዲ ከምዚ በሎም:- “ርሐቑ: ርሐቑ: ካብዚ ውጹ: ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ: ኣቱም ኣቓሑ እግዚኣብሄር እትጾሩ: ካብ ማእከል ውጹ: ንጽሁ።” (ኢሳይያስ 52:11) እወ: ንኣምልኾ የሆዋ ከደብነሎም ዝኽእል ኵሉ ርኹስ ተግባራት ናይ ባቢሎናዊ ሃይማኖት ከርሕቕዎ ነበሮም።

26. እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ‘ካብ ማእከሎም ውጹን ርኹስ ኣይትተንክዩን’ ዝብል ቃላት እተኣዘዝዎ ብኸመይ ኢዮም፧

26 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝሰደዳ መልእኽቱ ነዘን ናይ ኢሳይያስ ቃላት ጠቒሱ ከምዚ በለ:- “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፤ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አልይዎ፧ . . . ስለዚ፤ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን . . . ይብል እግዚኣብሄር።” እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ትእዛዝ እቲ ምእንቲ ክእዘዝዎ ካብ ቈረንቶስ ምውጻእ ኣየድለዮምን። ይኹን እምበር: ነቲ ርኹስ ኣብያተ መቕደስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብኣካላዊ መገዲ ከርሕቕዎ ከምኡውን ካብቲ ርኹስ ተግባራት ናይቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ክፍለዩ ነይርዎም ኢዩ። ብ1919 ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ይኹን ተረፍ ናይ ርኹስ ትምህርትን ተግባራትን ንርእሶም ብምንጻህ ካብ ዓባይ ባቢሎን ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብ ክሃድሙ ጀመሩ። በዚ ኸምዚ: ከም ንጹሃት ህዝቡ ዀይኖም ከገልግልዎ ከኣሉ።—2 ቈረንቶስ 6:14-17፣ 1 ዮሃንስ 3:3

27. ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ጥንታዊት ባቢሎን ዝወረደ ፍርድን ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ዝወርድ ፍርድን እንታይ ምምስሳል ኢዩ ዘሎ፧

27 ናይ ጥንታዊት ባቢሎን ውድቀትን እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሰዓባ ምብዳምን ናይ ሓጢኣታ መቕጻዕቲ ኢዩ። “ፍርዳ ኽሳዕ ሰማይ በጺሑ።” (ኤርምያስ 51:9) ብተመሳሳሊ: ናይ ዓባይ ባቢሎን ሓጢኣት “ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ” የሆዋ ከም ዝዕዘቦ ኰይኑ ኢዩ። ብዝገበረቶ ዘይፍትሓውነት: ኣምልኾ ጣኦት: ዘይስነ-ምግባራውነት: ግፍዒ: ስርቂ: ከምኡውን ቅትለት ገበነኛ ኢያ። ገለ ምኽንያት ውድቀት ናይ ጥንታዊት ባቢሎን እቲ ኣብ ልዕሊ ቤት መቕደስ የሆዋን ኣብ ልዕሊ እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቱን ዝገበረቶ ሕነ ምፍዳይ ኢዩ ነይሩ። (ኤርምያስ 50:8, 14፣ 51:11, 35, 36) ብተመሳሳሊ: ውድቀት ዓባይ ባቢሎንን ኣብ መወዳእታ ዘጋጠማ ጥፍኣትን ብምኽንያት እቲ ኣብዚ ዅሉ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ነቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ዝገበረቶም ዝወርዳ ናይ ሕነ ምፍዳይ መግለጺ ኢዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ጥፍኣታ እኳ ድኣ መጀመርታ ‘መዓልቲ ሕነ ኣምላኽና’ ክኸውን ኢዩ።—ኢሳይያስ 34:8-10፣ 61:2፣ ኤርምያስ 50:28

28. የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ዝጥቀመሉ መዐቀኒ ፍትሒ እንታይ ኢዩ፧

28 ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ሓደ እስራኤላዊ ካብ ደቂ ዓዱ እንተድኣ ሰሪቑ: እንተ ወሓደ ካዕበት ገይሩ ክኽሕስ የድሊ ነበረ። (ዘጸኣት 22:1, 4, 7, 9) ኣብቲ ዝመጽእ ጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን: የሆዋ ተመሳሳሊ መዐቀኒ ፍትሒ ክጥቀም ኢዩ። ካብቲ ዝሃበቶ ዕጽፊ ክትቅበል ኢያ። ንግዳያታ ምሕረት ስለ ዘየርኣየት: ምሕረት ኣይክግበረላን ኢዩ። ንርእሳ ‘ሓንቂቓ’ ምእንቲ ክትነብር ካብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ህዝብታት እናተበለጸት ትምገብ ነይራ ኢያ። ሕጂ ግን ስቓይን ሓዘንን ክመጻ ኢዩ። ጥንታዊት ባቢሎን ኣብ ዘተኣማምን ዕቝባ ዝነበረት ኰይና ይስምዓ ስለ ዝነበረ “ኣነስ ከቶ ኣይክምብሉን: ስእነት ውሉድውን ኣይክፈልጥን እየ” ኢላ ትጀሃር ነበረት። (ኢሳይያስ 47:8, 9, 11) ዓባይ ባቢሎንውን ዕቝባ ዘለዋ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓ። እቲ በቲ “ብርቱዕ” ዝዀነ የሆዋ እተዋህበ ፍርዲ ጥፍኣታ ግን ብቕልጡፍ ከም “ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ” ኢዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ እግረ-ጽሑፍ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

21. የሱስ ኣብቲ ብግዜኡ ዝነበረ ዘተሓታትት ናይ ንግዲ ተግባራት ምትእስሳር ከም ዘይነበሮ ብኸመይ ንፈልጥ: ሎሚ ግን ኣብ ባቢሎናዊ ሃይማኖት እንታይ ኢና ንርኢ፧

[ኣብ ገጽ 263 ዘሎ ሳጹን]

“ነገስታት . . . ምስኣ መንዚሮም”

ኣብ ፈለማ ናይ 1800ታት ኣውሮጳውያን ነጋዶ ኣዝዩ ብዙሕ ኦፕዩም ብኮንትሮባንድ ናብ ቻይና የእትዉ ነበሩ። ብመጋቢት 1839 ናይ ቻይና ሰበ-ስልጣናት 20,000 ዘምቢል ሓሽሽ ካብ ብሪጣንያውያን ነጋዶ ብምውሳድ ነቲ ዘይሕጋዊ ንግዲ ጠጠው ከብልዎ ፈተኑ። እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ብሪጣንያን ቻይናን ውጥረት ንኽህሉ ምኽንያት ኰነ። ኣብ መንጎ እተን ክልተ ሃገራት ዝነበረ ዝምድና እናተባላሸወ ክኸይድ ከሎ: ገለ ናይ ፕሮተስታንት ሚስዮናውያን ብኸምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ገይሮም ብሪጣንያ ውግእ ከተልዕል ደፋፍእዋ:-

“ኣየ እዚ ሽግራት እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ንልበይ ብሓጐስ ዝመልኦ: ምኽንያቱ መንግስቲ እንግሊዝ ክቝጣዕ እሞ ኣምላኽ ድማ ነቲ ንወንጌል ክርስቶስ ኣብ ቻይና ንኸይኣቱ ዝኽልክል ሓጹር ብሓይሉ ክድርዕሞ ምዃኑ ኢየ ዝሓስብ ዘሎኹ።”—ሄንሪታ ሻክ: ናይ ደቡባዊ ባፕቲስት ሚሲዮናዊ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ሎሚ ናይ ኦፕዩም ውግእ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውግእ ተላዕለ። ሚስዮናውያን ብምሉእ ልቦም ብኸምዚ ዝስዕብ ሓሳባት ገይሮም ንብሪጣንያ ኣተባብዕዋ:-

“ነዚ ህልው ኵነታት ከም ናይ ኦፕዩም ወይ ናይ እንግሊዝ ጉዳይ ዘይኰነስ: ከም ሓደ ነቲ ንቻይና ገሊሉዋ ዘሎ መናድቕ ኣፍሪሱ ንረሲእነት ሰብ ጸቒጡ ናይ ምሕረት ዕላምኡ ኣብ ቻይና ዝገብር ዓቢ ውጥን ናይ መለኮታዊ መምርሒ ገይረ ክሓስቦ እየ ዝግደድ።”—ፒተር ፓርከር: ናይ ኮንግሪገሽናል እምነት ሚስዮናዊ።

ካልእ ናይ ኮንግሪገሽናል እምነት ሚስዮናዊ ሳሙኤል ዳብሊው. ዊልያምስ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ወሰኸ:- “ኢድ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ እቲ ብርኡይ ኣገባብ ማዕቢሉ ዘሎ ነገራት ከም ዘላ ርዱእ ኢዩ: እቲ ኣብ ምድሪ ሰይፊ ከምጽእ ኢየ ዝመጻእኩ ዝበለ ንቕልጡፍ ጥፍኣት ጸላእቱን ንምቛም መንግስቱን ኣብዚ ከም ዝመጸ ኣይንጠራጠርን ኢና። ነቲ መስፍን ሰላም ክሳዕ ዘቕውም ከኣ ደጋጊሙ ከጥፍእ ኢዩ።”

ብዛዕባ እቲ ዘስካሕክሕ ማሕረዲ ናይ ደቂ ቻይና: ሚስዮናዊ ጀይ. ሉዊስ ሻክ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣነ ንኸምዚ ዝበለ ትርኢት  . . . ብቐጥታ ነቲ ንምዕባለ ናይ መለኮታዊ ሓቂ ዝዕንቅፍ ጐሓፍ ዘጽሪ መሳርሒ ጐይታ ገይረ ኢየ ዝቘጽሮ።”

ናይ ኮንግሪገሽናል እምነት ሚስዮናዊ ኤላይጃ ሲ. ብሪጅማን ከምዚ ኢሉ ወሰኸ:- “ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ነቲ ሓያል ቅልጽም ናይ ሲቪላዊ ስልጣን ነታ መንግስቱ መገዲ ንምኽፋት ተጠቒሙሉ ኢዩ . . . ኣብዚ ዓቢ እዋን እዚ እቲ መሳርሒ ሰብ ኢዩ፣ እቲ መራሒ ሓይሊ ኸኣ መለኮት ኢዩ። እቲ ዓቢ ገዛኢ ናይ ኵለን ሃገራት ንቻይና ክትቀጽዓን ከተዋርዳን ኢሉ ንእንግሊዝ ተጠቒሙላ ኣሎ።”—“ዕላማን ኣገባባትን” 1974 ካብ ድርሰት ናይ ስተዋርት ክረይተን ሚለር እተወስደ ጥቕስታት: ኣብ ዘ ሚሽነሪ ኢንተርፕራይዝ ኢን ቻይና ኤንድ ኣመሪካ (እንግሊዝኛ) እተሓትመ (ናይ ሃርቫርድ መጽናዕቲ ብጆን ከይ. ፈይርባንክ እተዳለወ)።

[ኣብ ገጽ 264 ዘሎ ሳጹን]

‘ነጋዶ ምድሪ ሃብቲሞም’

“ኣብ መንጎ 1929 ከምኡውን ምውላዕ ካልኣይ ውግእ ዓለም [ቤርናርዲኖ] ኖጋራ [ናይ ቫቲካን ኣመሓዳሪ ፋይናንስ] ንናይ ቫቲካን ርእሰ ማልን ናይ ቫቲካን ወኪላትን ኣብቲ ናይ ኢጣልያ እተፈላለየ መዳያት ቍጠባ ብሕልፊ ኸኣ ኣብ ሓይሊ ኤለክትሪክ: ቴለኮሙኒኬሽን: ኣብ ለቓሕን ባንክን: ንኣሽቱ መገድታት ባቡር: ከምኡውን ምፍራይ ሕርሻዊ ናውቲ: ስሚንቶን ኣርቲፊሻል ቅጥንን ክሰርሑ መዘዞም። ብዙሕ ካብዚ ፈተነታት እዚ ድማ ተዓዊቱ ኢዩ።

“ኖጋራ ብዓል ላ ሶቼታ ኢታልያና ደላ ቪስኮዛ: ላ ሱፐርተሲለ: ላ ሶቼታ መሪዲዮናለ ኢንዱስትሬ ተሲሊ: ከምኡውን ላ ቺሳራዮን ሓዊስካ ብዙሓት ኩባንያታት ወሓጠ። ነዚኣተን ኣብ ሓንቲ ኩባንያ ኣወሃሂዱ ቺዛ-ቪስኮዛ ዝብል ስም ሂቡ ኣብ ትሕቲ ናይ ባሮን ፍራንቸስኮ ማርያ ኦዳሶ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝእመኑ ናይ ቫቲካን ምእመናን ከም ዝመሓደራ ገበረን: ብድሕርዚ ኖጋራ ነዛ ሓዳስ ኩባንያ በታ ዝዓበየት ናይ ኢጣልያ ናይ ዓለባ ፋብሪካ ዝዀነት ስኒያ-ቪስኮዛ ክትወሓጠሉ እትኽእል ሜላ ተበለሓተ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ቫቲካን ኣብ ስኒያ-ቪስኮዛ ዝነበራ ተገዳስነት በብግዜኡ እናዓበየ ኸደ: ጸኒሑ ድማ ቫቲካን ንዅሉ ተቘጻጸረቶ: ናይዚ ምስክር ድማ ባሮን ኦዳሶ ምክትል ፕረዚደንት ኰነ።

“በዚ ኸምዚ ኖጋራ ኣብቲ ናይ ዓለባ ኢንዱስትሪ ኣተወ። ኣብ ካልእ ኢንዱስትሪታትውን ብኻልእ ኣገባባት ገይሩ ኣተወ: ከመይሲ ኖጋራ ብሽጣራታት መሊኡ ኢዩ ነይሩ። እዚ ውፉይ ሰብኣይ እዚ . . . ንናይ ኢጣልያ ቍጠባ ህይወት ክህብ ምናልባት ኣብ ታሪኽ ኢጣልያ ካብ ማንም ካልእ ብሕታዊ ነጋዳይ ንላዕሊ ዝያዳ ገይሩ ኢዩ . . . በኒቶ ሙሶሊኒ ነቲ ዝሓልሞ ዝነበረ ሃጸያዊ ግዝኣት ክበጽሖ ፈጺሙ ኣይከኣለን: ንቫቲካንን ንበርናዲኖ ኖጋራን ግን ካልእ ዓይነት ግዝኣት ንኽፈጥሩ ኣኽኢልዎም ኢዩ።”—ዘ ቫቲካን ኢምፓየር: (እንግሊዝኛ) ብኒኖ ሎ በሎ ገጽ 71-3

ኣብ መንጎ ነጋዶ ምድርን ዓባይ ባቢሎንን ጥብቂ ምትሕብባር ከም ዘሎ እዚ ሓደ ኣብነት ጥራይ ኢዩ። እዞም ነጋዶ እዚኣቶም እታ ናይ ንግዲ ሽርካኦም ካብ ህላወ ከተልግስ ከላ ምሕዛኖም ኣይገርምን ኢዩ!

[ኣብ ገጽ 259 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ናብ ብዘላ ምድሪ ፋሕ ምስ በሉ: ባቢሎናዊ ሃይማኖት ምስኦም ተማልኡ

[ኣብ ገጽ 261 ዘሎ ስእልታት]

እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ከም ሓላዊ መጠን ዓባይ ባቢሎን ከም ዝወደቐት ይእውጅ

[ኣብ ገጽ 266 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ጥንታዊት ባቢሎን ዑናታት ነቲ ዝመጽእ ናይ ዓባይ ባቢሎን ዕንወት የመልክት