ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ”

“ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ”

ምዕራፍ 30

ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ”

1. እቲ ኻልኣይ መልኣኽ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝእውጅ: ዓባይ ባቢሎንከ መን ኢያ፧

 እዚኣ ፍርዲ ኣምላኽ ዝፍጸመላ ሰዓት ኢያ! ሃየ እምበኣር ነቲ መለኮታዊ መልእኽቲ ስምዓዮ:- “ካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፤ እታ ኻብ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ንዅሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ: ወዲቓ: እናበለ ሰዐቦ።” (ራእይ 14:8) ንመጀመርታ ግዜ መጽሓፍ ራእይ ቆላሕታኣ ኣብ ዓባይ ባቢሎን ተተኵር: እንተዀነ ግን ንመወዳእታ ግዜ ኣይኰነን። ጸኒሑ ኣብ ምዕራፍ 17 ከም ሓንቲ ናይ ፍትወት ስምዒት ዘሎዋ ኣመንዝራ ገይሩ ክገልጻ ኢዩ። ንሳኸ መን ኢያ፧ ክንርእዮ ከም ዘለና ንሳ ዓለምለኻዊት ሃጸይ: ሃይማኖታዊት: ከምኡውን ሰይጣን ኣንጻር ዘርኢ እታ ሰበይቲ ንምቅላስ ዝጥቀመላ ናይ ምድንጋር ስርዓት ኢያ። (ራእይ 12:17) ዓባይ ባቢሎን ናይ ብዘላ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኢያ። ንዅለን እተን ሃይማኖታዊ ትምህርትታትን ተግባራትን ናይታ ጥንታዊት ባቢሎን ዝሓቝፋ ከምኡውን ናታ መንፈስ ዘንጸባርቓ ሃይማኖታት ዘጠቓለለት ኢያ።

2. (ሀ) ባቢሎናዊ ሃይማኖት ኣብ ኵሉ ክፍልታት ምድሪ እተበተነ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ (ለ) እታ ቐንዲ ክፋል ናይ ዓባይ ባቢሎን መን ኢያ: ከም ሓያል ማሕበር ኰይና እተቐልቀለትከ መዓስ ኢያ፧

2 ልዕሊ 4,000 ዓመታት ይገብር የሆዋ ንቛንቋታት ናይቶም ንግምቢ ባቤል ክሰርሑ እተበገሱ ሰባት ዝሓዋወሰ ኣብ ባቢሎን ኢዩ ነይሩ። እቶም ብእተፈላለየ ቋንቋታት እተኸፋፈሉ ጕጅለታት: ነቲ ሎሚ ኣብ መብዛሕትአን ሃይማኖታት ዝርአ ናይ ክሕደት እምነታትን ተግባራትን ሒዞም ክሳዕ ጫፍ ምድሪ ተበተኑ። (ዘፍጥረት 11:1-9) ዓባይ ባቢሎን ሃይማኖታዊት ክፍሊ ናይ ማሕበር ሰይጣን ኢያ። (ምስ ዮሃንስ 8:43-47 ኣረኣእዮ።) ሎሚ እታ ኣዝያ ምርእይቲ ዝዀነት ክፋል ናይ ዓባይ ባቢሎን: እታ ድሕሪ ክርስቶስ ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከም ሓንቲ ሓያልን ዓመጸኛን ማሕበር ክትቅልቀል ዝጀመረት ህዝበ-ክርስትያን ኢያ፣ እምነታታን ወግዕታታን ከኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ መብዛሕትኡ ካብ ባቢሎናዊ ሃይማኖት እተወሰደ ኢዩ።—2 ተሰሎንቄ 2:3-12

3. ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ ክበሃል ዝከኣል ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

3 ‘ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ገና ዓቢ ጽልዋ እናሃለዎ: እቲ መልኣኽ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ ኢሉ ዝእውጅ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ጥንታዊት ባቢሎን ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ምውዳቓ እንታይ ስዓበ፧ እስራኤላውያን ናብ ዓዶም ክኸዱን ኣብኡ ኸኣ ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ክመልሱን ናጻ ኰኑ! ስለዚ እቲ መንፈሳውያን እስራኤል ብ1919 ናብቲ ክሳዕ ሕጂ እናቐጸለን እናሰፍሐን ዝኸይድ ዘሎ ዘንጸባርቕ መንፈሳዊ ብልጽግና ምምላሶም: ዓባይ ባቢሎን በታ ዓመት እቲኣ ከም ዝወደቐት መረጋገጺ ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ንህዝቢ ኣምላኽ ክቕይድ ዝኽእል ሓይሊ የብላን። ብተወሳኺ: ኣብ ውሽጣ ዓሚቝ ሽግር ኣለዋ። ካብ 1919 ጀሚሩ እቲ ብልሽውንኣን ዘይቅንዕናኣን ዘይስነ-ምግባራውነታን ብሰፊሑ ተቓሊዑ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳ ናብ ቤተ-ክርስትያናት ዝኸዱ ሰባት ሒደት ኢዮም: ኣብ ገሊአን ናይ ሶሻሊስት ሃገራት ከኣ ሃይማኖት ከም “ሓሺሽ ናይ ህዝቢ” ኢዩ ዝርአ። ዓባይ ባቢሎን ኣብ ኣዒንቲ ኵሎም እቶም ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ኣፍቀርቲ ዝዀኑ ሰባት ተዋሪዳ ኢያ: ሕጂ ኣብ ናይ ሞት መገዲ ኰይና እቲ ናይ ጥፍኣት ጻድቕ ፍርዲ የሆዋ ኣብ ልዕሊኣ ክፍጸም ትጽበ ኣላ።

ዘነውር ውድቀት ባቢሎን

4-6. ዓባይ ባቢሎን “ኻብ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ንዅሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም” ከመይ ኢላ ኢያ፧

4 እስከ ነቲ ዘነውር ውድቀት ዓባይ ባቢሎን ከቢብዎ ዘሎ ኵነታት ብዝርዝር ንመርምሮ። እቲ መልኣኽ ‘ዓባይ ባቢሎን ንዅሎም ኣህዛብ ኻብ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ኣስተየቶም’ ኢሉ ይነግረና። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እዚ ምስ ምስዓር እተተሓሓዘ ኢዩ። ንኣብነት የሆዋ ንኤርምያስ ከምዚ ኢሉ ነገሮ:- “እንካ: እዛ ጽዋእ ናይ ቍጥዓ ወይኒ ኻብ ኢደይ ውሰዳ እሞ ነቶም ኣነ ናብኦም ዝልእከካ ህዝብታት ኵሎም ኣስትዮም: ኪሰትዩን ሰንከልከል ኪብሉን: ብሰሪ እቲ ኣነ ዝሰደሎም ሰይፊ ኸኣ ኪዐብዱን እዮም።” (ኤርምያስ 25:15, 16) ኣብ ሻድሻይን ሻውዓይን ክፍለ-ዘበናት ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ንብዙሓት ሃገራት: ነታ ከሓዲት ይሁዳውን ሓዊስካ: ምሳልያዊ ጽዋእ ናይ ጸበባ ምእንቲ ክሰትዩ ጥንታዊት ባቢሎን ከተፍስሰሎም ተጠቕመላ፣ ስለዚ እቶም ህዝቡ እውን ከይተረፈ ናብ ምርኮ ተወስዱ። ብድሕርዚ ባቢሎንውን ብግዲኣ ንጉሳ ኣንጻር የሆዋ እቲ “ጐይታ ሰማይ” ስለ እተዓበየ ወደቐት።—ዳንኤል 5:23

5 ዓባይ ባቢሎን እውን ስዒራ ኢያ: መብዛሕትኡ ግን ብረቂቕ መገዲ ኢያ ትገብሮ። ናይ ኣመንዝራ ጕርሒ ብምጥቃም: ምስኣ ሃይማኖታዊ ምንዝር ከም ዝፍጽሙ ብምግባር ‘ንዅሎም ኣህዛብ ኣስትያቶም’ ኢያ። ንፖለቲካውያን ገዛእቲ ምስኣ ሕብረትን ምሕዝነትን ክገብሩ ኣስድዓቶም። ብሃይማኖታዊ መስሓቢታት ገይራ ፖለቲካውን ንግዳውን ቍጠባውን ጭቆና ኣስፋሕፍሐት። ንርኡይ ዝዀነ ፖለቲካውን ንግዳውን ምኽንያታት ክትብል ሃይማኖታዊ ስደትን ሃይማኖታዊ ውግእን ናይ መስቀላውያን ውግእን ሃገራዊ ውግኣትን እውን ኣለዓዓለት። ነዚ ውግኣት እዚ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ እናበለት ቀደሰቶ።

6 ሃይማኖት ኣብ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣብ ውግኣትን ፖለቲካን ጣልቃ ከም ዝኣተወ ፍሉጥ ጕዳይ ኢዩ፣ ናይቶም ኣብ ክልቲኡ ውግኣት ዓለም ምስ ክልቲኦም ኣንጻር ዝዀኑ ወገናት ኰይኖም ንመንእሰያት ንሓድሕዶም ክተሓራረዱ እናኣተባብዑ ንሰራዊት ዝቕድሱ ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ሓዊስካ: ሺንቶ ኣብ ጃፓን: ሂንዱ ኣብ ህንዲ: ቡድሂስት ኣብ ቬትናም: “ክርስትያን” ኣብ ሰሜን ኣየርላንድን ላቲን ኣሜሪካን: ካልኦት ኣብነታት እውን ኣለዉ። ሓደ ካብቲ ዓባይ ባቢሎን ኣመንዝራ ምዃና ከረድኣና ዝኽእል ፍሉጥ ኣብነት: ኣብቲ እንተወሓደ 600,000 ህዝቢ እተቐትልሉ ብ1936-39 እተገብረ ናይ ስጳኛ ውግእ ሓድሕድ ኢዳ ምእታዋ ኢዩ። እዚ ምፍሳስ ደም እዚ በቶም ደገፍቲ ናይ ካቶሊክ ካህናትን ተሓባበርቶምን እዩ ተለዓዒሉ: ገለ ካብቲ ምኽንያት ሃብትን መዓርግን ናይታ ቤተ-ክርስትያን በቲ ሕጋዊ መንግስቲ ናይ ስጳኛ ኣብ ስግኣት ስለ ዝኣተወ ኢዩ።

7. ቀንዲ ዒላማ ናይ ዓባይ ባቢሎን ዝዀነት መን ኢያ: ኣንጻር እዛ ዒላማ እዚኣኸ እንታይ ሜላታት ኢያ እተጠቕመት፧

7 ዓባይ ባቢሎን ሃይማኖታዊት ክፍሊ ዘርኢ ሰይጣን ብምዃና: ነታ “ሰበይቲ” የሆዋ ዝዀነት “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” ኵሉ ግዜ ቀንዲ ዒላማኣ ምስ ገበረት ኢያ። ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን እታ ጉባኤ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ዘርኢ ናይታ ሰበይቲ ብግልጺ ተለለየት። (ዘፍጥረት 3:15፣ ገላትያ 3:29፣ 4:26) ዓባይ ባቢሎን ነታ ንጽህቲ ጉባኤ ሃይማኖታዊ ምንዝር ንኽትፍጽም ብምስዳዕ ንኽትስዕራ ኣበርቲዓ ትጽዕር ነበረት። ሃዋርያ ጳውሎስን ጴጥሮስን ብዙሓት ክወድቁ: ዓቢ ክሕደት ድማ ከም ዝኸውን ኣጠንቀቑ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፣ 2 ጴጥሮስ 2:1-3) እተን የሱስ ናብተን ሸውዓተ ጉባኤታት ዝለኣኸን መልእኽትታት: ዓባይ ባቢሎን ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወት ናይ ዮሃንስ ኣብቲ ናይ ምብልሻው ጻዕራ ገለ ምዕባለ ገይራ ከም ዝነበረት የመልክታ። (ራእይ 2:6, 14, 15, 20-23) የሱስ ግን ክሳዕ ኣበይ ክትበጽሕ ከም ዝፍቀደላ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ ኢዩ።

ስርናይን ክርዳድን

8, 9. (ሀ) እቲ የሱስ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን እተዛረቦ ምሳልያዊ ዛንታ እንታይ የመልክት፧ (ለ) “እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ” እንታይ ኰነ፧

8 ኣብቲ ናይ ስርናይን ክርዳድን ምሳልያዊ ዛንትኡ: የሱስ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብኣይ ተዛረበ። “እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ” ግን ጸላኢ ኣብ ልዕሊኡ መጺኡ ክርዳድ ዘርኣሉ። ስለዚ እቲ ስርናይ በቲ ክርዳድ ተዓብጠ። የሱስ ነዚ ምሳልያዊ ዛንትኡ በዚ ቓላት እዚ ገይሩ ገለጾ:- “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ: ወዲ ሰብ እዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ: እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም: እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ።” ድሕርዚ ኸኣ ኣብ “መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ:” (NW) እቶም መላእኽቲ ነቲ ምሳልያዊ ክርዳድ ክሳዕ ‘ዝእክብዎ:’ እቲ ስርናይን ክርዳድን ብሓደ ከም ዝዓብዩ ኣርኣዮም።—ማቴዎስ 13:24-30, 36-43

9 እቲ የሱስን ሃዋርያ ጳውሎስን ጴጥሮስን ዘጠንቀቕዎ ተፈጸመ። “እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ:” እንተ እቶም ሃዋርያት ብሞት ምስ ደቀሱ ወይ ከኣ እቶም ክርስትያን ተዓዘብቲ ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ኣብ ምሕላው ምስ ተታኸሱ: ባቢሎናዊ ክሕደት ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ክጥጥዕ ጀመረ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:31) ቀልጢፉ ኸኣ እቲ ኽርዳድ ካብቲ ስርናይ በዝሐ እሞ: ከም ዘይርአ ገበሮ። ንብዙሕ ክፍለ-ዘበናት ከኣ: እቶም ዘርኢ እታ ሰበይቲ በቲ ገፊሕ ቀምሽ ናይ ዓባይ ባበሎን ፈጺሞም ከም እተዋሕጡ መሰለ።

10. ክሳዕ 1870ታት ኣብ ዝነበረ ግዜ እንታይ ተፈጸመ: ዓባይ ባቢሎንከ ነዚ ብኸመይ መለሰትሉ፧

10 ክሳዕ 1870ታት ኣብ ዝነበረ ግዜ ቕቡኣት ክርስትያናት ንገዛእ ርእሶም ካብቲ ናይ ፋይቶት መገድታት ናይ ባቢሎን ንኽፍለዩ ቆራጽ ጻዕሪ ክገብሩ ጀመሩ። ነቲ ህዝበ-ክርስትያን ካብ ኣረማውነት ዘምጽኣቶ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታት ጠንጠንዎ: ዘበናት ኣህዛብ ብ1914 ከም ዝውዳእ ንምስባኽ ከኣ ብትብዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቕሙ። ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምምላስ ዝግበር ዝነበረ ምንቅስቓስ እቶም ቀንዲ መሳርሒ ናይ ዓባይ ባቢሎን ዝዀኑ ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ተጻረርዎ። ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ነቲ ንእሽቶ ጕጅለ ናይ እሙናት ክርስትያናት ንምጭፍላቕ እቲ ናይ ውግእ ሸበድበድ ክጥቀምሉ ፈተኑ። ብ1918 ዕዮ ናይዞም እሙናት ክርስትያናት ዳርጋ ብምሉኡ ምስ ተጸቕጠ: ዓባይ ባቢሎን እተዓወተት መሲሉ ተራእየ። ፈጺማ ዝሰዓረቶም መሰለት።

11. ውድቀት ጥንታዊት ባቢሎን እንታይ ኣፍረየ፧

11 ኣቐዲምና ርኢናዮ ከም ዝነበርና: እታ ዕብይቲ ከተማ ባቢሎን ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ዕንወት ዘለዎ ውድቀት ኣጋጢሙዋ ካብ ስልጣን ተኣልየት። ብድሕርዚ ኸኣ ‘ባቢሎን ወዲቓ: ወዲቓ’ ዝብል ጭድርታ ተሰምዐ። እታ ዓባይ መንበር ናይ ዓለም ሃጸይ: ኣብ ኢድ እቲ ብቂሮስ ዓቢ ዝምራሕ ናይ ሜዶ-ፋርስ ሰራዊት ወደቐት። እታ ኸተማ ካብ ምፍራስ እኳ እንተ ደሓነት: ካብ ስልጣን ምውዳቓ ናይ ሓቂ ኢዩ ነይሩ: እዚ ኸኣ ሓራ ምውጻእ ናይቶም ኣብኣ ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ኣስዓበ። ነቲ ንጹህ ኣምልኾ እንደገና ምእንቲ ከቝሙ ኸኣ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።—ኢሳይያስ 21:9፣ 2 ዜና መዋእል 36:22, 23፣ ኤርምያስ 51:7, 8

12. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንህዝበ-ክርስትያን ፈጺሙ ከም ዝነጸጋ ዘረጋግጽ እንታይ ኢዩ፧

12 ኣብዚ ግዜና እውን ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ ዝብል ጭድርታ ተሰሚዑ ኢዩ! እቲ ብ1918 እተራእየ ናይታ ባቢሎናዊት ህዝበ-ክርስትያን ግዝያዊ ዓወት: እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ዝዀኑ ቅቡኣት ተረፍ ብ1919 ብመንፈሳዊ ትንሳኤ ምስ ተመልሱ ብሃንደበት ተቐየረ። ንህዝቢ ኣምላኽ ምምራኽ ብዝምልከት ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ ኢያ። እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ንዕዮ ድሉዋት ኰይኖም ከም ኣንበጣ ካብ መዓሙቝ ወጹ። (ራእይ 9:1-3፣ 11:11, 12) ንሳቶም ዘመናዊ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኢዮም ነይሮም: እቲ ጐይታ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ጥሪቱ ሸሞም። (ማቴዎስ 24:45-47 NW) የሆዋ ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ክጥቀመሎም ምጅማሩ: ህዝበ-ክርስትያን ምድራዊት ወኪሉ ኢየ እኳ እንተበለት የሆዋ ፈጺሙ ከም ዝነጸጋ ዘረጋግጽ ኢዩ ነይሩ። ንጹህ ኣምልኾ እንደገና ቘመ: ዕዮ ምሕታም ናይቶም ተረፍ 144,000 ንምምላእ መገዲ ተኸፍተ: እዚኣቶም ተረፍ ዘርኢ ናይታ ምሉእ መዋእላ ጸላኢት ዓባይ ባቢሎን ዝዀነት ሰበይቲ ኢዮም። እዚ ዅሉ ድማ እዛ ሃይማኖታዊት ማሕበር ሰይጣን ተጨፍሊቓ ክትስዓር ምዃና ዘመልክት ኢዩ ነይሩ።

ናይቶም ቅዱሳን ምጽማም

13. (ሀ) እቲ ሳልሳይ መልኣኽ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝእውጅ፧ (ለ) ኣብቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉ የሆዋ እንታይ ፍርዲ ኢዩ ዘውርድ፧

13 ሕጂ ኸኣ እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ይዛረብ ኣሎ። ስምዓዮ! “ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ ሰዐቦም: ብብርቱዕ ድምጺ ኸምዚ እናበለ: ሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ: ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተሙ እንተ ተቐበለ: ንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይ ምሕዋስ እተቐድሔ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰቲ እዩ።” (ራእይ 14:9, 10ሀ) ኣብ ራእይ 13:16, 17 ኣብ መዓልቲ ጐይታ እቶም ንምስሊ ናይቲ ኣራዊት ዘይሰግዱ ሰባት ክሳቐዩ አረ ክቕተሉውን ምዃኖም ተገሊጹ ነይሩ ኢዩ። ሕጂ ኸኣ የሆዋ ነቶም “ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ” ዘሎዎም ክፈርዶም ከም ዝቘረጸ ኢና እንማሃር። እቲ መሪር ‘ጽዋእ ቍጥዓ’ ነድሪ የሆዋ ክሰትይዎ ክግደዱ ኢዮም። እዚ ንዓታቶም እንታይ ማለት ክኸውን ኢዩ፧ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ንየሩሳሌም “ጽዋእ ነድሩ” ክትሰቲ ምስ ኣገደዳ: እታ ከተማ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን “ጥፍኣትን ምብራስን: ጥሜትን ሰይፍን” ኣሕለፈት። (ኢሳይያስ 51:17, 19) ብተመሳሳሊ እቶም ነዞም ፖለቲካውያን ሓይልታት ምድርን ነታ ምስሎም ዝዀነት ሕቡራት ሃገራትን ዘምልኹ ሰባት: ካብቲ ጽዋእ ቍጥዓ የሆዋ ምስ ሰተዩ መከራ ከስዕበሎም ኢዩ። (ኤርምያስ 25:17, 32, 33) ፈጺሞም ክጠፍኡ ኢዮም።

14. እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዘምልኹ ቅድሚ ምጥፍኦምውን ከይተረፈ: እንታይ ኢዮም ከሕልፉ ዘለዎም: ዮሃንስከ ነዚ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ፧

14 ይኹን እምበር: እዚ ቅድሚ ምዃኑውን እቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉ ስምረት የሆዋ ብምስኣኖም ስቓይ ከሕልፉ ኢዮም። ብዛዕባ እቲ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዘምልኽ ሰብ ክዛረብ ከሎ እቲ መልኣኽ ንዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይሕብሮ:- “ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ኪስቀ እዩ። ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ: እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ: ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ: ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን።”—ራእይ 14:10ለ, 11

15, 16. እቲ ኣብ ራእይ 14:10 ዘሎ “ብሓውን ብዲንን” ዝብል ቃላት እንታይ ትርጉም ኢዩ ዘለዎ፧

15 ገሊኣቶም እዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሓውን ዲንን ከም ናይ ሲኦል ሓዊ መረጋገጺ ገይሮም ይርእይዎ። ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ትንቢት ሕጽር ዝበለ ምዕዛብ እንተድኣ ገይርና ግን: ናይዘን ኣብዚ ጥቕሲ ዘለዋ ቃላት ሓቀኛ ትርጕም ከርእየና ኢዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኣብ መዓልታት ኢሳይያስ: የሆዋ ንሃገር ኤዶም ብምኽንያት እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበሮም ጽልኢ ክቕጽዑ ምዃኖም ኣጠንቀቖም። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ወሓይዛ ናብ ቅጥራን: ሓመዳ ኸኣ ናብ ዲን ኪልወጥ: ሃገራውን ነዳዲ ቕጥራን ኪኸውን እዩ። ምንዳዳ ለይትን መዓልትን ኣይጠፍእን: ትካ ንዘለኣለም ይተክኽ: እታ ሃገር ንውሉድ ወለዶ ትባድም: ንዘለኣለም ሓደ እኳ ኣይሐልፋን።”—ኢሳይያስ 34:9, 10

16 ኤዶም ንዘለኣለም ምእንቲ ክትነድድ ኣብ ሓደ ጽውጽዋይ ዝዀነ ናይ ሲኦል ሓዊ ተደርብያ ድያ፧ ብርግጽ ኣይተደርበየትን። ኣብ ክንድኡ እታ ሃገር ልክዕ ከም ብሓውን ዲንን ዝነደደት ካብ ትርኢት ዓለም ፈጺማ ጠፍአት። እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ናይቲ መቕጻዕቲ ዘለኣለማዊ ስቓይ ዘይኰነስ “ምብራስ . . . ምብዳም . . . ምናምን” ምዃን ኢዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 34:11, 12) እቲ “ትካ ንዘለኣለም ይተክኽ” ዝብል ኣዘራርባ ነዚ ኢዩ ኣነጺሩ ዘረድእ። ሓደ ገዛ ምስ ነደደ: እቲ ሃልሃልታ ድሕሪ ምጥፍኡ ንቝሩብ ግዜ ትኪ ካብቲ ሓሙዅሽቲ እናወጸ ንተዓዘብቲ ሓደ ዘጥፍእ ናይ ሓዊ ባርዕ ከም ዝነበረ መረጋገጺ ይህቦም ኢዩ። ሎሚውን ከይተረፈ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ካብ ጥፍኣት ኤዶም ዝርከብ ትምህርቲ ይዝክርዎ ኢዮም። በዚ መገዲ እዚ ‘እቲ ትኪ ምንዳዳ’ ብምሳልያዊ መገዲ ገና ይተክኽ ኣሎ።

17, 18. (ሀ) መወዳእታ ናይቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉ እንታይ ክኸውን ኢዩ፧ (ለ) ኣምለኽቲ ናይቲ ኣራዊት ዝሳቐዩ በየናይ መገዲ ኢዮም፧ (ሐ) ‘እቲ ትኪ ስቓዮም ንዘለኣለመ ኣለም ዝወጽእ’ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

17 እቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘሎዎም ሰባትውን ልክዕ ብሓዊ ከም ምንዳድ ፈጺሞም ክጠፍኡ ኢዮም። እቲ ትንቢት ጸኒሑ ከም ዝገልጾ: ሬሳታቶም እንስሳታትን ኣዕዋፍን ንኽበልዕዎ ኣይክቕበርን ኢዩ። (ራእይ 19:17, 18) ስለዚ እምበኣር ቃል ብቓሉ ንዘለኣለም ከም ዘይሳቐዩ ንጹር ኢዩ! ‘ብሓውን ዲንን ዝሳቐዩ’ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧ ሓቂ ብምእዋጁ ክቃልዑ ከለዉን ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ፍርዲ ኣምላኽ መጠንቀቕታ ክወሃቦም ከሎን ኢዮም ዝሳቐዩ። ስለዚ ንህዝቢ ኣምላኽ የናእስዎም: ኣብቲ ዝኽእልዎ ኸኣ: እቲ ፖለቲካዊ ኣራዊት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ክሰጐምን ክቐትሎምን ብምድንጋር ይሓብልዎ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ እዞም ተጻረርቲ እዚኣቶም ከም ብሓውን ዲንን ክጠፍኡ ኢዮም። ብድሕርዚ “ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ:” በዚ ምኽንያት እዚ እንደገና ነቲ ቕኑዕ ሉዓላውነት የሆዋ ብድሆ እንተ ኣጓኒፍዎ: እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ፍርዲ ኣምላኽ ከም መምዘኒ ከገልግል ኢዩ። እቲ ክርክር እቲ: ንዘለኣለም ክድቅስ ኢዩ።

18 ሎሚ ነቲ ዘሳቒ መልእኽቲ ዘብጽሕዎ ዘለዉ መን ኢዮም፧ እቶም ምሳልያውያን ኣንበጣ: ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ከሳቕይዎም ስልጣን ከም ዘሎዎም ዘክር። (ራእይ 9:5) እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መላእኽቲ ኰይኖም እቶም መሳቐይቲ ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። እቲ ጽንዓት ናይቶም ምሳልያውያን ኣንበጣ ሓያል ስለ ዝዀነ “እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ: ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ: ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን።” ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብድሕሪ ጥፍኣቶም: እቲ ሉዓላውነት የሆዋ ዘረጋግጽ ዓቢ መርትዖ: ‘እቲ ትኪ ስቓዮም:’ ንዘለኣለመ ኣለም ክወጽእ ኢዩ። እዚ ምርግጋጽ እዚ ምሉእ ክሳዕ ዝኸውን እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ዝጽመም ይግበሮ! እቲ መልኣኽ ድማ “እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ: ትዕግስቶም [“ምጽማሞም:” NW] ኣብዚ እዩ ዘሎ: በለ።”—ራእይ 14:12

19. ብወገን እቶም ቅዱሳት ምጽማም ዝድለ ስለምንታይ ኢዩ: እንታይ ንዕኦም ዘሐይል ጸብጻብ ኢዩኸ ዮሃንስ ዘቕርብ፧

19 እወ: ‘ምጽማም ናይቶም ቅዱሳት’ ንየሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ብምሉእ ተወፋይነት ምምላኽ ማለት ኢዩ። መልእኽቶም ልሙድ ኣይኰነን። ናብ ምጽራር: መስጐጕቲ: አረ ሰማእትነት እውን ከይተረፈ ዘምርሕ ኢዩ። እንተዀነ ግን በቲ ዮሃንስ ቀጺሉ ዘቕርቦ ጸብጻብ ይሕይሉ ኢዮም:- “ካብ ሰማይ ከኣ፤ ጽሐፍ፤ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ: ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ: ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም: ይብል መንፈስ: ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።”—ራእይ 14:13

20. (ሀ) እቲ ብዮሃንስ ተገሊጹ ዘሎ ጸብጻብ ምስቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ህላወ የሱስ ተነብይዎ ዘሎ ዝሰማማዕ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ሰይጣን ካብ ሰማይ ድሕሪ ምብራሩ ዝሞቱ ቅቡኣት እንታይ ፍሉይ መሰል ክረኽቡ ምዃኖም ኢዩ መብጽዓ ተገይሩሎም ዘሎ፧

20 እዚ ተስፋ እዚ ምስቲ ጳውሎስ “እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና [እቶም ክሳዕ መዓልቲ ጐይታ ብህይወት ዝጸንሑ ቅቡኣት] ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዐል ኢና” ብምባል ብዛዕባ ናይ የሱስ ህላወ እተነበዮ ትንቢት ዝሰማማዕ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:15-17) ሰይጣን ካብ ሰማይ ድሕሪ ምብራሩ: እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱ ቅድም ተንሲኦም ኢዮም። (ምስ ራእይ 6:9-11 ኣረኣእዮ።) ብድሕርዚ እቶም ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዝሞቱ ቅቡኣት ሓደ ፍሉይ መሰል ክረኽቡ መብጽዓ ተገይሩሎም ኣሎ። እቲ ንመንፈሳዊ ህይወት ናብ ሰማይ ምትንስኦም ብኡብኡ “ብቕጽበት ዓይኒ” ኢዩ ዝኸውን። (1 ቈረንቶስ 15:52) ኣየ እዝስ ክንደይ ዘደንቕ ኰን ኢዩ! እቲ ግብርታት ጽድቆም ከኣ ኣብቲ ሰማያዊ ግዝኣት ክቕጽል ኢዩ።

ዓጺድ ምድሪ

21. ዮሃንስ ብዛዕባ “ዓጺድ ምድሪ” እንታይ ኢዩ ዝነግር፧

21 ካብዚ መዓልቲ ፍርዲ እዚ ካልኦትውን ክጥቀሙ ኢዮም: ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “ርኤኹ ድማ፤ እንሆ: ጻዕዳ ደበናን: ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ: ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርኤኹ። ካልእ መልኣኽ [እቲ ራብዓይ] ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፤ ጊዜ ዓጺድ አትዩ: ፍረ ምድሪውን በጺሑ እዩ እሞ: ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን: ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዔ። እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ: ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውረደ: ምድሪውን ተዐጽደት።”—ራእይ 14:14-16

22. (ሀ) እቲ ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍአ ኣብ ጻዕዳ ደበና ኸኣ እተቐመጠ መን ኢዩ፧ (ለ) እቲ ዓጺድ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሕ መዓስ ኢዩ: ብኸመይከ፧

22 መንነት ናይቲ ኣብ ጻዕዳ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ጻዕዳ ደበና ተቐሚጡ: ወዲ ሰብ ዝመስል: ኣኽሊል ወርቂ ኸኣ ዘሎዎ: እዚ እቲ ዳንኤልውን ብትርኢት ዝረኣዮ: የሱስ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ምዃኑ ግልጺ ኢዩ። (ዳንኤል 7:13, 14፣ ማርቆስ 14:61, 62) እቲ ኣብዚ ብትንቢት ተነጊሩ ዘሎ ዓጺድ ግን እንታይ ኢዩ፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ምስ ናይ ዓለም ሰብኣዊ ግራት ዓጺድ ኣመሳሲልዎ ነበረ። (ማቴዎስ 9:37, 38፣ ዮሃንስ 4:35, 36) ናይዚ ዓጺድ እዚ ዝለዓለ ደረጃ ኣብቲ የሱስ ኣኽሊል ንግስነት ዝደፍኣሉን ኣብ ክንዲ ኣቡኡ ዝፈርደሉን ግዜ ናይ መዓልቲ ጐይታ ኢዩ ዝኸውን። በዚ ኸምዚ እቲ ካብ 1914 ዝጀመረ ግዝኣቱ: ዓጺድ ዝኣትወሉ ሕጕስ እዋን እውን ኢዩ።—ምስ ዘዳግም 16:13-15 ኣረኣእዮ።

23. (ሀ) እቲ ናይ ዓጺድ ምጅማር ትእዛዝ ካብ መን ኢዩ ዝመጽእ፧ (ለ) ካብ 1919 ኣትሒዙ ክሳዕ ሕጂ እንታይ ዓጺድ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ፧

23 የሱስ ንጉስን ፈራድን እኳ እንተዀነ: ዓጺድ ቅድሚ ምጅማሩ ካብ የሆዋ ትእዛዝ ይጽበ። እቲ ቓል ብሓደ መልኣኽ ኣቢሉ “ካብ መቕደስ” ይወጽእ። የሱስ ብቕጽበት ይእዘዝ። መጀመርታ: ካብ 1919 ንነጀው ብመላእኽቱ ገይሩ ምእካብ ናይቶም 144,000 ይምልኦ። (ማቴዎስ 13:39, 43፣ ዮሃንስ 15:1, 5, 16) ካብኡ ቐጺሉ ምእካብ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራ ይካየድ። (ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:9) ካብ 1931 ጀሚሩ ክሳዕ 1935 ብርክት ዝበለ ቝጽሪ ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ክቕልቀሉ ከም ዝጀመሩ ታሪኽ የርኢ ኢዩ። ብ1935 ድማ የሆዋ እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ ሓቀኛ መንነት ናይቶም ኣብ ራእይ 7:9-17 ተጠቒሶም ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ ንኽርድኡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም። ካብኡ ንነጀው ብዙሕ ኣትኵሮ እተገብረሉ ምእካብ ናይዞም ጭፍራ እዚኣቶም ኢዩ። ኣብ 2005 ቍጽሮም ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ኰይኑ ነይሩ: ገና ኸኣ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብርግጽ: እዚ ወዲ ሰብ ዝመስል ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ምሉእ ዘይጉዱልን ዘሐጕስን እቶት ኢዩ ዝሓፍስ ዘሎ።—ምስ ዘጸኣት 23:16፣ 34:22 ኣረኣእዮ።

ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ምርጋጹ

24. ኣብ ኣእዳው እቲ ሓምሻይ መልኣኽ እንታይ ኣሎ: እቲ ሻድሻይ መልኣኽከ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝጽውዕ፧

24 እቲ ናይ ድሕነት ዓጺድ ምስ ተፈጸመ: ካልእ ዓጺድ ዝጅምረሉ ግዜ ኢዩ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ የቕርብ:- “ካልእ መልኣኽ [እቲ ሓምሻይ] ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወጸ: ንሱውን በሊሕ ማዕጺድ ሐዘ። ካብቲ መሰውኢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ ሓደ ኻልእ መልኣኽ [እቲ ሻድሻይ] ወጸ: ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሐዘ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ እናጸውዖ፤ እቲ ኣስካል ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ: ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ: ነቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ኽተቶ: በለ።” (ራእይ 14:17, 18) እቶም ዘአንግዱ መላእኽቲ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ንቕኑዓት ካብ እኩያት ንምፍላይ ዝያዳ ምእካብ ክገብሩ ሕድሪ ክወሃቦም ኢዩ!

25. (ሀ) እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ካብ ቤት መቕደስ ምውጽኡ እንታይ የመልክት፧ (ለ) እቲ ዓጺድ ንምጅማር እተዋህበ ትእዛዝ ካብቲ ‘ካብ መሰውኢ ዝወጸ’ መልኣኽ ክመጽእ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

25 እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ካብቲ የሆዋ ዘለዎ ቤት መቕደስ ኢዩ ዝመጽእ፣ እምበኣርከስ እቲ ናይ መወዳእታ ዓጺድውን ብመሰረት ፍቓድ የሆዋ ኢዩ ዝፍጸም። እቲ መልኣኽ ዕዮኡ ክጅምር ተኣዚዙ ዘሎ በቲ ‘ካብ መሰውኢ ዝወጽእ’ ካልእ መልኣኽ ዝመሓላለፈሉ መልእኽቲ ኢዩ። እዚ ዓቢ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ: ምኽንያቱ እቶም ኣብ ትሕቲ እቲ መሰውኢ ዘለዉ እሙናት ነፍሳት “ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ: ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧” እናበሉ ጠሪዖም ነይሮም ኢዮም። (ራእይ 6:9, 10) እዚ ሕነ ንኽፈድየሎም ዘቕረብዎ ጥርዓን: እቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ክዕጸድ ከሎ መልሲ ክረክብ ኢዩ።

26. እቲ ‘ናይ ምድሪ ወይኒ’ እንታይ ኢዩ፧

26 እዚ ‘ናይ ምድሪ ወይኒ’ ግን እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ህዝቢ ኣይሁድ ናይ የሆዋ ወይኒ ኢዮም ዝበሃሉ ነይሮም። (ኢሳይያስ 5:7፣ ኤርምያስ 2:21) ብተመሳሳሊ: የሱስ ክርስቶስን እቶም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስኡ ዘገልግሉን ከም ወይኒ ኢዮም ተመሲሎም ዘለዉ። (ዮሃንስ 15:1-8) ኣብዚ ሓሳብ እዚ: እቲ ኣገዳሲ ባህሪ ናይ ወይኒ: ፍረ ዝፈሪ ምዃኑ ኢዩ: እቲ ሓቀኛ ክርስትያናዊ ወይኒ ኸኣ ንውዳሰ የሆዋ ኣኽል-ታርፍ ፍረ ፈርዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 21:43) ስለዚ እቲ ‘ናይ ምድሪ ወይኒ’ ተባሂሉ ዘሎ እዚ ናይ ሓቂ ወይኒ እዚ ዘይኰነስ: እቲ ኣምስሉ ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ዝገዝእ ናይ ሰይጣን ዝርአ ብልሽው ስርዓት ምስ ኵሉ እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ብምሉኡ ጋኔናዊ ፍረ ክፈሪ ዝጸንሐ በብዓይነቱ “ኣስካል” ወይኑ ኢዩ። እታ ክሓዲት ክርስትና ቀንዳ ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን: ኣብ ልዕሊ እዚ መርዛም ወይኒ ዓቢ ጽልዋ ኣዘውቲራ ኢያ።—ምስ ዘዳግም 32:32-35 ኣረኣእዮ።

27. (ሀ) እቲ ማዕጺድ ዝሓዘ መልኣኽ ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ምስ ኣከቦ እንታይ ይፍጸም፧ (ለ) እቲ ዓጺድ ክሳዕ ክንደይ ክኸውን ከም ዝዀነ እንታይ ኣብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ዘሎ ትንቢታት ኢዩ ዘመልክት፧

27 ፍርዲ ክፍጸም ኣለዎ! “እቲ መልኣኽ ከኣ: ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ: ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኸተቶ እሞ: ናብቲ ዓብዪ መጽመቚ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ደርበዮ። እቲ መጽመቚ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ እሞ ካብቲ መጽመቚ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን እስታድዮስ ዚአክል: ክሳዕ ልጓማት ኣፍራስውን ዚበጽሕ ደም ወጸ።” (ራእይ 14:19, 20) የሆዋ ኣንጻር እዚ ወይኒ እዚ ከም ዝቝጣዕ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ተኣዊጁ ኢዩ። (ጸፎንያስ 3:8) ኣብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ዘሎ ትንቢት: እቲ መጽመቚ ወይኒ ክርገጽ ከሎ ህዝብታት ብምሉኣቶም ክጠፍኡ ምዃኖም ብዘየጠራጥር መገዲ ይገልጸልና። (ኢሳይያስ 63:3-6) ዮኤልውን ‘ጭፍራታት’ ናይ ኵሎም ህዝብታት ኣብቲ “መጽመቚ” ናይ “ለሰ ምምዳብ” ተረጊጾም ከም ዝጠፍኡ ተነብዩ ኢዩ። (ዮኤል 3:12-14) ብሓቂ ከምኡ ዝኣመሰለስ ብድሕሪ ሕጂ ፈጺሙ ዘይድገም ዓቢ ዓጺድ ኢዩ! ብመሰረት ናይ ዮሃንስ ትርኢት እቲ ፍረ ወይኒ ክቕንጠብ ጥራይ ዘይኰነስ ብምሉኡ እቲ ምሳልያዊ ወይኒ ክቝረጽን ምእንቲ ክርገጽ ድማ ኣብቲ መጽመቚ ወይኒ ክድርበን ኢዩ። ስለዚ እቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ፈጺሙ ክርገጽ: ፈጺሙ ኸኣ እንደገና ኣይክበቍልን ኢዩ።

28. ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ዝረግጽዎ መን ኢዮም: እቲ መጽመቚ ወይኒ ‘ኣብ ወጻኢ ኸተማ ክርገጽ’ ማለትከ እንታይ ማለት ኢዩ፧

28 እቲ ናይቲ ትርኢት ምርጋጽ ብኣፍራስ ኢዩ ዝኸውን: ከመይሲ እቲ ካብቲ ወይኒ ተረጊጹ ዝወጸ ደም ‘ክሳዕ ልጓማት ኣፍራስ ዝበጽሕ’ ኢዩ ተባሂሉ ኣሎ። እቲ ‘ኣፍራስ’ ዝብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ውግእ ስርሒታት ስለ ዘመልክት: እዚ ግዜ ውግእ ክኸውን አለዎ። እቶም ንየሱስ ኣብቲ ኣንጻር ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዝገብሮ ናይ መወዳእታ ውግእ ዝስዕብዎ ሰራዊት ሰማይ: “ነቲ መጽመቚ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ክረግጽዎ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 19:11-16) ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ዝረግጽዎ እዚኣቶም ምዃኖም ግልጺ ኢዩ። እቲ መጽመቚ ወይኒ “ኣብ ወጻኢ ኸተማ” ማለት ኣብ ወጻኢ እታ ሰማያዊት ጽዮን ኢዩ ዝርገጽ። እቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኣብ ምድሪ ክርገጽ ብሓቂ ግቡእ ኢዩ። እንተዀነ ግን “ኣብ ወጻኢ ኸተማ” እውን ኢዩ ክርገጽ: ከመይሲ ነቶም ንሰማያዊት ጽዮን ኣብ ምድሪ ዝውክሉ ዝተረፉ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ዋላ ሓንቲ ጉድኣት ኣየምጽኣሎምን ኢዩ። እዚኣቶም ምስቶም ዓቢ ጭፍራ ሓቢሮም ኣብቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ዝገበረሎም ናይ ማሕበር ምድላው ክዕቆቡ ኢዮም።—ኢሳይያስ 26:20, 21

29. እቲ ካብቲ መጽመቚ ወይኒ ዝወጽእ ደም ክሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ኢዩ: ምንውሑኸ ክሳዕ ኣበይ ይበጽሕ: እዚ ዅሉኸ እንታይ የመልክት፧

29 እዚ ህያው ዝዀነ ትርኢት እዚ: ምስቲ ኣብ ዳንኤል 2:34, 44 ተገሊጹ ዘሎ ኵለን መንግስታት ምድሪ በታ ናይ መንግስቲ እምኒ ዝጭፍለቕኦ ዝመሳሰል ኢዩ። ምጽናት ክህሉ ኢዩ። እቲ ካብቲ መጽመቚ ወይኒ ዝወጽእ ውሕጅ ደም ክሳዕ ልጓማት ኣፍራስ ዝበጽሕ ኣዝዩ ዓሚቝ ኢዩ: ምንውሑ ኸኣ ክሳዕ 1,600 እስታድዮስ ዝዝርጋሕ ኢዩ። a እዚ ኣርባዕተ ምስ ገዛእ ርእሱ እንደገናውን ምስ ዓሰርተ ምስ ገዛእ ርእሱ ኣርቢሕካ ዝመጽእ (4X4X10X10) ዓቢ ቝጽሪ: እቲ ጥፍኣት ንዅላ ምድሪ ዘጠቓልል ክኸውን ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ። (ኢሳይያስ 66:15, 16) እቲ ጥፍኣት ምሉእን ፈጺሙ ድማ ዘይዕገትን ክኸውን ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ከኣ ናይ ሰይጣን ናይ ምድሪ ወይኒ ፈጺሙ ሱር ኣይክሰድድን ኢዩ!—መዝሙር 83:17, 18

30. ፍረ ናይ ሰይጣን ወይኒ እንታይ ኢዩ: ውሳነናኸ እንታይ ክኸውን ኣለዎ፧

30 ኣብዚ ናይ መወዳእታ ግዜ ክንነብር ከሎና ናይዘን ክልተ ዓጺድ ትርኢት ኣዝዩ ትርጕም ዝመልኦ ኢዩ። ናይ ሰይጣን ወይኒ ዘፍርዮ ዘሎ ፍረታት ንምርኣይ ኣብ ኣከባቢና ምዕዛብ ጥራይ ኢዩ ዘድልየና። ጥንሲ ምስዳድን ካልእ ዓይነት ቅትለትን፣ ግብረ ሰዶም: ዝሙት: ከምኡውን ካልእ ዓይነት ዘይስነ-ምግባራውነት፣ ቅንዕና ከምኡውን ባህርያዊ ፍቕሪ ዘይምህላው—እዚ ዅሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ጽይፍቲ ይገብራ። ናይ ሰይጣን ወይኒ “መርዝን መሪርን ዜብቍል” ኢዩ። እቲ ብልሹውን ጣኦታውን ዝዀነ መገድታቱ ነቲ ዓቢ ፈጣሪ ወድሰብ ዘሕስር ኢዩ። (ዘዳግም 29:18፣ 32:5፣ ኢሳይያስ 42:5, 8) ኣብቲ የሱስ ንውዳሰ የሆዋ ኢሉ ዝእክቦ ዘሎ ጥዑይ ፍረ ምስቶም ክፍሊ ዮሃንስ ኣብቲ ዓጺድ ተጊህካ ምዕያይሲ ኣየ ከመይ ዝኣመሰለ መሰል ኰን ኢዩ! (ሉቃስ 10:2) ኵላትና ካብቲ ወይኒ ናይዛ ዓለም እዚኣ ብፍጹም ንኸይንብከል ዝወሰንና: ከምኡውን እቲ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ የሆዋ ክወርድ ከሎ ምስቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ካብ ምርጋጽ ንድሕን ይግበረና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a 1,600 እስታድዮስ ዳርጋ 300 ኪሎሜተር ወይ ከኣ 180 ናይ እንግሊዝ ማይልስ ኣቢሉ ይኸውን።—ራእይ 14:20 ኣብ እግረ-ጽሑፍ ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘሎዎ መጽሓፍ ቅዱስ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 208 ዘሎ ሳጹን]

“ወይኒ ምንዝርንኣ”

ሓንቲ ቐንዲ ክፍሊ ናይ ዓባይ ባቢሎን ሮማዊት ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ኢያ። እታ ቤተ-ክርስትያን በቲ ኣብ ሮማ ዝነብር ጳጳስ ኢያ እትመሓደር: ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ድማ: ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ወራሲ ከም ዝዀነ ገይራ ኢያ እትዛረበሉ። ብዛዕባ እዞም ወረስቲ ዝበሃሉ እተጻሕፈ ጭብጥታት እንሆ:-

ፎርሞዛስ (891-96):- “ናይ ፎርሞዛስ ሬሳ ድሕሪ ሞቱ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጸኒሑ ካብቲ ናይ ጳጳሳት መቓብር ተዃዒቱ ወጸ እሞ ኣብ ቅድሚ እቲ እስጢፋኖስ [እቲ ሓድሽ ጳጳስ] ዝኣካቢኦም ‘ሬሳ ዝምርምር’ ቤት ምኽሪ ክፍረድ ቀረበ። እቲ ምዉት ናይ ጵጵስና ስልጣን ንምሓዝ ክቱር ህርፋን ከም ዝነበሮ ተወንጀለ እሞ እቲ ኵሉ ተግባራቱ ተቐባልነት ዘይብሉ ኢዩ ተባህለ። . . . እቲ ሬሳ ናይ ጵጵስና ኣልባሳቱ ተቐንጠጠ: ኣጻብዕቲ የማናይ ኢዱ ኸኣ ተቖርጸ።”—ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፐዲያ (እንግሊዝኛ)።

እስጢፋኖስ 6ይ (896-97):- “ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ [ካብ ፍርዲ ሬሳ ፎርሞዛስ] ብርቱዕ ተቓውሞ ተላዒሉ ንጵጵስና እስጢፋኖስ መወዳእታ ገበረሉ፣ እቲ ዘውዲ ጵጵስንኡ ተሓድገ: ተኣስረ: ተሓንቀውን።”—ኒው ካቶሊክ ኤንሳይክሎፐዲያ።

ሰርግዮስ 3ይ (904-11):- “እቶም ቀቅድሚኡ ዝነበሩ ክልተ ጳጳሳት . . . ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሓንቁ። . . . ንሱ ኣብ ሮማ ብስድራቤት ቴዎፍላክቱስ ይሕገዝ ነበረ: ካብ ማሮዚያ ሓንቲ ካብተን ኣዋልድ ናይዛ ስድራቤት እዚኣ ወዲ (ድሓር ጳጳስ ዮሃንስ መበል 11 ዝዀነ) ወሊዱ ተባሂሉ ኢዩ ዝሕመ።”—ኒው ካቶሊክ ኤንሳይክሎፐዲያ።

እስጢፋኖስ 7ይ (928-31):- “ጳጳስ ዮሃንስ 10ይ . . . ኣብተን መወዳእታ ዓመታት ጵጵስንኡ ካብታ ናይ ሮማ ዶና ሰናትሪክስ ዝብል መዓርግ ዝነበራ ማሮዚያ ቍጥዓ ወረዶ: ተኣስረን ተቐትለን። ብድሕርዚ ማሮዝያ እቲ ጵጵስና ነቲ ኣብ ስልጣን ን6 1/2 ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽንሑ ዝሞተ ጳጳስ ለዮ 6ይ ዓደለቶ። እስጢፋኖስ 7ይ ድማ ምናልባት ብምድፍፋእ ናይ ማሮዝያ ክኸውን ይኽእል ተክኦ። . . . ኣብተን ጳጳስ ኰይኑለን ዝነበረ ክልተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ናይ ማሮዝያ ዓብላልነት: ስልጣኑ ድኹም ነበረ።”—ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፐድያ።

ዮሃንስ መበል 11 (931-35):- “ብድሕሪ ሞት ናይ እስጢፋኖስ 7ይ . . . እታ ካብ ቤት ቴዎፍላክቱስ ዝዀነት ማሮዝያ ንዮሃንስ ወዳ ገና ኣብ ናይ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ መንእሰይ ከሎ ጵጵስና ሓዘትሉ። . . . ዮሃንስ ከም ጳጳስ መጠን ዝነበሮ ስልጣን ብኣዲኡ እተዓብለለ ነበረ።”—ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፐዲያ።

ዮሃንስ መበል 12 (955-964):- “ዓሰርተ ሾሞንተ ዓመት ዳርጋ ኣይመልአን ነበረ: ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ኸኣ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዘይግደስ: ኣብ ጠገል ዘይብሉ ተድላታት ወልፊ ዝነበሮ: ዘይዕገት ዝርጋን ዝመልኦ ህይወት ዝነበሮ ሰብ ኢዩ ነይሩ።”—ዘ ኦክስፎርድ ዲክሸነሪ ኦቭ ፖፕስ (እንግሊዝኛ)።

በነዲክት 9ይ (1032-44፣ 1045፣ 1047-48):- “ጵጵስንኡ ክልተ ግዜ ንኣባሊግኡ ብምሻጥ: መሊሱ ኸኣ ነቲ ስልጣን ናብ ርእሱ ብምምላስ ዕሉል ነበረ።”—ዘ ኒው ኢንሳይክሎፐዲያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ)።

በዚ ኸምዚ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉን ካልኦት ጳጳሳትን ናይቲ እሙን ጴጥሮስ ኣብነት ኣብ ክንዲ ዝስዕቡ እኩይ ጽልዋ ነበሩ። ናይ ደም ገበን: መንፈሳውን ስጋውን ምንዝርና: ከምኡውን ናይ ኢዛቤል ጽልዋ ነታ ዝመርሕዋ ዝነበሩ ቤተ-ክርስትያን ከባላሽዋ ኣፍቀዱ። (ያእቆብ 4:4) ብ1917 ኣብታ እተወድአ ምስጢር እተባህለት ናይ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ): ብዙሕ ካብዚ ጭብጥታት እዚ ብዝርዝር ወጸ። እዚ ካብቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ መዓልትታት እቲ ‘ንምድሪ ብመዓት ዘበለ ዝቐዝፍሉ’ ዝነበሩ መገድታት ሓደ ነበረ።—ራእይ 11:6፣ 14:8፣ 17:1, 2, 5

[ኣብ ገጽ 206 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዝነገሰ ክርስቶስ ብመላእኽቲ ተደጊፉ ፍርዲ ይፍጽም

[ኣብ ገጽ 207 ዘሎ ስእሊ]

ባቢሎን ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ወደቐት: እቶም ማሪኻቶም ዝነበረት እሱራት ሓራ ወጹ