ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓብን ዘገርምን ዕዮታት የሆዋ

ዓብን ዘገርምን ዕዮታት የሆዋ

ምዕራፍ 31

ዓብን ዘገርምን ዕዮታት የሆዋ

ትርኢት 10​—ራእይ 15:1–16:21

ቀንዲ መልእኽቲ:- የሆዋ ኣብ ቤት መቕደሱ ኣሎ፣ እተን ሸውዓተ ጽዋኣት ቍጥዕኡ ኣብ ምድሪ ይፈሳ

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ካብ 1919 ክሳዕ ኣርማጌዶን

1, 2. (ሀ) ዮሃንስ ናይ እንታይ ሳልሳይ ምልክት ጸብጻብ ኢዩ ዘቕረበ፧ (ለ) ኣገልገልቲ የሆዋ ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም እንታይ ናይ መላእኽቲ ግደ ኢዮም ዝፈልጡ፧

 ሓንቲ ሰበይቲ ተባዕታይ ወዲ ክትወልድ ከላ ትርአ! ሓደ ዓቢ ገበል ከኣ ነቲ ውሉዳ ክውሕጦ ይደሊ! እዞም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 12 ብህያው መገዲ ተገሊጾም ዘለዉ ክልተ ሰማያውያን ምልክታት: ነቲ ንነዊሕ መዋእል ኣብ መንጎ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣምላኽን ኣብ መንጎ ሰይጣንን ከምኡውን እቲ ጋኔናዊ ዘርኡን ዝጸንሐ ጽልኢ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጅኡ ከም ዝበጽሐ የጕልሑልና። ዮሃንስ ነዞም ምልክታት እዚኣቶም ከጕልሖም ከሎ ከምዚ ይብል:- “ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፤ . . . ካልእ ትእምርቲ ኸኣ . . . ተራእየ።” (ራእይ 12:1, 3, 7-12) ሕጂ ኸኣ ዮሃንስ ጸብጻብ ናይ ሳልሳይ ትእምርቲ የቕርብ:- “ካልእ ዓብይን ዜገርምን ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ርኤኹ፤ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ብኣታተን ኪፍጸም እዩ እሞ: ነተን ሾብዓተ መላእኽቲ ሒዞምወን ዘለዉ ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ርኤኹ።” (ራእይ 15:1) እዚ ሳልሳይ ምልክት እዚ እውን ንኣገልገልቲ የሆዋ ኣገዳሲ ትርጕም ኣሎዎ።

2 ነቲ መላእኽቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም እንደገና ዘሎዎም ኣገዳሲ ግደ ተመልከቶ። እዚ ሓቂ እዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ብኣገልገልቲ የሆዋ እተፈልጠ ኢዩ ነይሩ። እወ: እቲ ጥንታዊ ጸሓፍ መዝሙር እውን ከይተረፈ ብመንፈስ ተመሪሑ ነዞም መላእኽቲ እዚኣቶም “ኣቱም መላእኽቱ: ንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ: ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን: ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ” እናበለ ተማሕጺንዎም ኣሎ! (መዝሙር 103:20) ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ሓድሽ ትርኢት እዚ መላእኽቲ ነተን ሸውዓተ ናይ መወዳእታ መዓት ከፍስሱ ተመዚዞም ኣለዉ።

3. እተን ሸውዓተ መዓት እንታይ ኢየን: እቲ ናተን ምፍሳስከ እንታይ የመልክት፧

3 እዘን መዓት እዚኣተን እንታይ ኢየን፧ ከም ምንፋሕ ናይቲ ሸውዓተ መለኸት: የሆዋ ንእተፈላለየ ገጻት ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ ኣረኣእያ ብምዝርጋሕን ሳዕቤን ናይቲ ናይ መጨረሽታ ፍርዳዊ ውሳነታቱ ብምጥንቃቕን: ብርቱዕ ፍርዲ ዝእውጃ መዓት ኢየን። (ራእይ 8:1-9:21) እቲ ምፍሳሰን ድማ እቶም ኣቝሑ ቝጥዓ የሆዋ ኣብ መዓልቲ ርሱን ነድሩ ክጠፍኡ ከለዉ: እቲ ፍርድታት እቲ ክፍጸም ከም ዝዀነ የመልክት። (ኢሳይያስ 13:9-13፣ ራእይ 6:16, 17) በዚ ኸምዚ ‘ቝጥዓ ኣምላኽ ክፍጸም ኢዩ።’ ብዛዕባ ምፍሳስ ናይተን መዓት ቅድሚ ምግላጹ ግን: ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም በቲ ናይ ጥፍኣት መዓት ዘይትንከፉ ሰባት ይነግረና። እዞም እሙናት እዚኣቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ኣብዮም መዓልቲ ሕነ የሆዋ ክእውጁ ከለዉ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ይዝምርሉ።—ራእይ 13:15-17

መዝሙር ሙሴን እቲ ገንሸልን

4. ሕጂ ዮሃንስ ዝርእዮ እንታይ ኢዩ፧

4 ሕጂ ኸኣ ዮሃንስ ሓደ ጕሉሕ ዝዀነ ትርኢት ይርኢ:- “ምስ ሓዊ እተሖሰ ኸም ባሕሪ መረጸን ዚመስል እሞ: እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ነቲ ቝጽሪ ስሙን ዝሰዐሩ: መሰንቆታት [“በገናታት:” NW] ኣምላኽ ሒዞም: ኣብቲ ባሕሪ መረጸን ደው ኢሎም ርኤኹ።”—ራእይ 15:2

5. በቲ “ምስ ሓዊ እተሖሰ ኸም ባሕሪ መረጸን ዚመስል” ተመሲሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧

5 እዚ “ባሕሪ መረጸን” እዚ ልክዕ ከምቲ ዮሃንስ ኣቐዲሙ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣምላኽ ርእይዎ ዝነበረ ኢዩ። (ራእይ 4:6) እዚ ምስቲ ኣብ ቤት መቕደስ ሰሎሞን እቶም ካህናት ገዛእ ርእሶም ንምንጻህ ማይ ዘዕቝርሉ ዝነበሩ “ፍሲ ባሕሪ” (ናይ ማይ ገበራ) ዝመሳሰል ኢዩ። (1 ነገስት 7:23) ስለዚ እምበኣር እዚ: ናይቲ የሱስ ነቶም ናይ ክህነት ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ዝሓጽበሉ ‘መሕጸብ ማይ’ ወይ ቃል ኣምላኽ ሰናይ ምሳሌ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:25, 26፣ እብራውያን 10:22) እዚ ባሕሪ መረጸን ‘ሓዊ እተሓወሶ’ ምዃኑ ኸኣ እዞም ቅቡኣት ነቲ እተሰርዓሎም ዝለዓለ መለክዒታት ብምእዛዝ እተፈተኑን እተዀልዑን ምዃኖም ዝሕብር ኢዩ። ብተወሳኺ ቃል ኣምላኽ ኣንጻር ጸላእቱ ሓዊ ዝዀነ ናይ ፍርድታት መግለጺ እውን ዝሓዘ ምዃኑ የዘኻኽረና። (ዘዳግም 9:3፣ ጸፎንያስ 3:8) ገለ ካብዞም ከም ሓዊ ዝዀኑ ፍርድታት: ኣብዞም ክፈሱ ተቐሪቦም ዘለዉ ሸውዓተ መዓት ተገሊጾም ኣለዉ።

6. (ሀ) እቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማያዊ ባሕሪ መረጸን ደው ኢሎም ዘለዉ ዘመርቲ መን ኢዮም: ከመይ ገይርናኸ ንፈልጥ፧ (ለ) ‘ሰዓርቲ’ ኰይኖም ዘለዉ በየናይ መገዲ ኢዮም፧

6 እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ሰሎሞን ዝነበረ ፍሲ ባሕሪ ንኣገልግሎት ካህናት ይውዕል ምንባሩ: እቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማያዊ ባሕሪ መረጸን ደው ኢሎም ዘለዉ ዘመርቲ ክፍሊ ክህነት ምዃኖም ይሕብር ኢዩ። እዚኣቶም “በገናታት ኣምላኽ” ኣሎዎም: ስለዚ ምስቶም 24 ሽማግለታት ከምኡውን ምስቶም 144,000 ኢና እነዛምዶም: ከመይሲ እዞም ጕጅለታት እዚኣቶምውን ብበገና ይዝምሩ ኢዮም። (ራእይ 5:8፣ 14:2) እቶም ዮሃንስ ዝርእዮም ዘመርቲ “ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ነቲ ቝጽሪ ስሙን ዝሰዐሩ” ኢዮም። ስለዚ ካብቶም ኣብዚ መወዳእታ መዓልትታት ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ክፍሊ ናይቶም 144,000 ክዀኑ ኣለዎም። ከም ጕጅለ መጠን ብርግጽ ስዒሮም ኢዮም። ካብ 1919 ጀሚሩ ንዳርጋ 90 ዓመታት ዝኸውን ማሕተም ናይቲ ኣራዊት ምቕባል ወይ ነቲ ምስሉ ከም ናይ ሰብ እንኮ ተስፋ ሰላም ገይሮም ምቕባል ኣበዩ። ብዙሓት ካብኣቶም ድሮ ክሳዕ ሞት እሙናት ብምዃን ተጸሚሞም ኢዮም: እዚኣቶም ከኣ ሕጂ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ነቲ መዝሙር ናይቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣሕዋቶም ብዘይ ጥርጥር ብፍልይ ዝበለ ሓጐስ ይስዕብዎ ኣለዉ።—ራእይ 14:11-13

7. ኣብ ጥንታዊት እስራኤል በገና ብኸመይ ይዝውተር ነበረ: ኣብቲ ናይ ዮሃንስ ትርኢት በገና ኣምላኽ ምህላዉኸ ብኸመይ ይትንክፈና፧

7 እዞም እሙናት ሰዓርቲ በገና ኣምላኽ ኣሎዎም። በዚ ኸኣ ነቶም ብበገና ተሰንዮም ብምዝማር ኣብ ቤት መቕደስ ንየሆዋ ዘምልኽዎ ዝነበሩ ናይ ጥንቲ ሌዋውያን ይመስሉ። ገሊኦም ብበገና ተሰንዮም እውን ተነብዮም ኢዮም። (1 ዜና መዋእል 15:16፣ 25:1-3) እቲ ጥዑም ቃና ናይ በገና ነቲ ናይ እስራኤላውያን ናይ ሓጐስ መዝሙር ከምኡውን ናብ የሆዋ ዘቕርብዎ ናይ ውዳሰን ምስጋናን ጸሎታት የጸብቖ ነበረ። (1 ዜና መዋእል 13:8፣ መዝሙር 33:2፣ 43:4፣ 57:7, 8) ኣብ ግዜ ጓሂ ወይ ኣብ ግዜ ምርኮ በገና ኣይስማዕን ኢዩ ነይሩ። (መዝሙር 137:2) ኣብዚ ትርኢት እዚ በገና ኣምላኽ ምህላዉ: ፍስሃን ዓወትን ዘሎዎ መዝሙር ውዳሰን ምስጋናን ንኣምላኽና ክዝመር ትጽቢት ክንገብር ከለዓዕለና ይግብኦ። a

8. እንታይ መዝሙር ኢዩ ዝዝመር: ቃላቱኸ እንታይ ኢዩ፧

8 እቲ ዮሃንስ ዘቕርቦ ጸብጻብ ከኣ ከምኡ ኢዩ:- “ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ: መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ: ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም: እናበሉ: መዝሙር ሙሴ: እቲ ባርያ ኣምላኽን: መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ።”—ራእይ 15:3, 4

9. እቲ መዝሙር ብኸፊል “መዝሙር ሙሴ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 እዞም ሰዓርቲ እዚኣቶም “መዝሙር ሙሴ” ኢዮም ዝዝምሩ: እዚ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ዝዘመሮ መዝሙር ማለት ኢዩ። እስራኤላውያን እተን ዓሰርተ መዓት ኣብ ግብጺ ክወርዳ ከለዋ ከምኡውን ምድምሳስ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምርኣዮም: ሙሴ “እግዚኣብሄር ንወርትግ: ንዘለኣለም ይነግስ” ኢሉ ብምእዋጅ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዕዉት ናይ ውዳሴ መዝሙር ክዝምሩ መርሖም። (ዘጸኣት 15:1-19) እቶም ኣብ ናይ ዮሃንስ ትርኢት ዘለዉ ዘመርቲ: ካብቲ ኣራዊት ሰዓርቲ ኰይኖም ብምውጽኦምን ኣብ ምእዋጅ ናይተን ናይ መወዳእታ ሸውዓተ መዓት ብምክፋሎምን ነቲ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ክዝምሩ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ግቡእ ኰን ኢዩ!—1 ጢሞቴዎስ 1:17

10. እንታይ ካልእ መዝሙር ኢዩ ብሙሴ እተደርሰ: እታ ናይ መወዳእታ መስመርከ ነቲ ዓቢ ጭፍራ እተመልክት ከመይ ኢላ ኢያ፧

10 ኣብ ካልእ መዝሙር: እስራኤል ንከንኣን ክስዕሩ ክቀራረቡ ኸለዉ እተዘመረ ድማ እቲ ዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሙሴ ነቶም ህዝቢ “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] እነግር አሎኹ እሞ: ንኣምላኽና ኣዕብይዎ” ኢሉ ነገሮም። እታ “ኣቱም ህዝብታት: ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ” እትብል ናይ መወዳእታ መስመር ናይዚ መዝሙር እዚ ነቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ እውን ምትብባዕ ሂባቶም ኢያ: እተን መንፈስ ዝነፈሰን ናይ ሙሴ ቃላት ከኣ ኣብቶም ሎሚ ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ እውን ይውዕላ ኢየን። ስለምንታይከ ኢዮም ክሕጐሱ ዝግብኦም፧ ምኽንያቱ የሆዋ ‘ንደም ባሮቱ ክብቀል: ንመጻርርቱ ሕነ ኽፈዲ’ ስለ ዝዀነ ኢዩ። እዚ ጻድቕ ፍርዲ እዚ ክፍጸም ከሎ: ንዅሎም እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዝገብሩ ደስታ ከምጽኣሎም ኢዩ።—ዘዳግም 32:3, 43፣ ሮሜ 15:10-13፣ ራእይ 7:9

11. እቲ ዮሃንስ ዝሰምዖ መዝሙር ፍጻሜኡ ዝረክብ ዘሎ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

11 ሙሴ ባዕሉ ሕጂ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ብህይወት እንተ ዝህሉ እሞ: ምስቶም ሰማያውያን ዘመርቲ ኰይኑ “ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም” እናበለ ክዝምርሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ምተሓጐሰ ነይሩ! ሎሚ ንርእዮ ከም ዘለና እቲ ብሉጽ መዝሙር እቲ ዘገርም ፍጻሜ ኣለዎ: ብትርኢት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቶም ካብ “ኣህዛብ” ናብታ ምድራዊት ማሕበር የሆዋ ዝውሕዙ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ቃል ብቓሉ ይፍጸም ኣሎ።

12. መዝሙር ናይቶም ሰዓርቲ ‘መዝሙር እቲ ገንሸል’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እንተዀነ ግን እዚ መዝሙር እዚ: መዝሙር ሙሴ ጥራይ ዘይኰነስ መዝሙር ‘እቲ ገንሸል’ እውን ኢዩ። ከመይ ኢሉ፧ ሙሴ ኣብ እስራኤል ናይ የሆዋ ነብዪ ኢዩ ነይሩ: ሙሴ ባዕሉ ግን የሆዋ ከምኡ ዝኣመሰለ ነብዪ ከተንስእ ከም ዝዀነ ተነብዩ ነበረ። እዚ ኸኣ እቲ ገንሸል: የሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ተረኽበ። ሙሴ ‘ባርያ ኣምላኽ’ ክኸውን ከሎ: የሱስ ግን ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ እቲ ዝዓበየ ሙሴ ኢዩ። (ዘዳግም 18:15-19፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:22, 23፣ እብራውያን 3:5, 6) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቶም ዘመርቲ ‘መዝሙር እቲ ገንሸል’ እውን ይዝምሩ።

13. (ሀ) የሱስ ካብ ሙሴ ዝዓቢ እኳ እንተዀነ: ምስኡ ዝመሳሰል ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ (ለ) ምስቶም ዘመርቲ ብኸመይ ክንሓብር ምኸኣልና፧

13 የሱስ ከምቲ ናይ ሙሴ: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ውዳሰታት ኣምላኽ ዘመረ: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ዘርኣዮ ዓወት ከኣ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:21, 22፣ 26:30፣ ሉቃስ 19:41-44) የሱስ እውን እቲ ኵሎም ህዝብታት ንየሆዋ ዝውድስሉ ግዜ ክመጽእ ይጽበ ነይሩ ኢዩ: እዚ ምእንቲ ክኸውን ድማ ከም ርእሱ ዝስውእ “ገንሸል ኣምላኽ” ብምዃን ሰብኣዊ ህይወቱ ሃበ። (ዮሃንስ 1:29፣ ራእይ 7:9፣ ምስ ኢሳይያስ 2:2-4፣ ዘካርያስ 8:23 ኣረኣእዮ።) ልክዕ ከምቲ ሙሴ ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ እተገንዘቦን ክብ ዘበሎን: የሱስ እውን ስም ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ከም ዝግለጽ ገበረ። (ዘጸኣት 6:2, 3፣ መዝሙር 90:1, 17፣ ዮሃንስ 17:6) የሆዋ እሙን ስለ ዝዀነ: እቲ ግርማዊ ተስፋታቱ ብርግጽ ክፍጸም ኢዩ። እምበኣር ምስቲ “ዎ እግዚኣብሄር ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧” ዝብል ቃላት ናይቲ መዝሙር ንኽንሰማማዕ: ምስቶም እሙናት ዘመርቲ: ምስቲ ገንሸል: ከምኡውን ምስ ሙሴ ብሓቂ ሕቡራት ኢና።

እቶም ጽዋእ ዝሓዙ መላእኽቲ

14. ዮሃንስ ካብ መቕደስ ክወጹ ዝረኣዮም ንመን ኢዩ: እንታይከ ኢዩ እተዋህቦም፧

14 መዝሙር ናይዞም ቅቡኣት ሰዓርቲ ክንሰምዖ ግቡእ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ነቲ ኣብቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ዝመልአ ጽዋኣት ተዓቚሩ ዝነበረ ፍርድታት ኣብ ምድሪ ዘርጊሖሞ ኢዮም። ናይዞም ጽዋኣት እዚኣቶም ምፍሳስ ካብ ተራ ሰባት ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ: ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ድሕርዚ ድማ ርኤኹ: እታ መቕደስ ድንኳን ምስክር ከኣ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት። እቶም ሾብዓተ መዓት ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ: ባዕባዕ ዚብል ጽሩይ ክዳን ተኸዲኖም: ኣብ ኣፍ ልቦምውን ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም: ካብ መቕደስ ወጹ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ [“ህያዋን ፍጡራት:” NW] ኸኣ ካብ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዚነብር ኣምላኽ እተመልኤ ሾብዓተ ጽዋእ ወርቂ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሀቦም።”ራእይ 15:5-7

15. እቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ካብቲ መቕደስ ምውጽኦም ዘየገርም ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ኣብታ ናይ ሰማያዊ ነገራት ተምሳል ዝነበራ ናይ እስራኤል ቤት መቕደስ: ኣብቲ ኣብዚ “መቕደስ” ተባሂሉ ዘሎ ቅድስተ ቅዱሳን እቲ ሊቀ ኻህናት ጥራይ ኢዩ ክኣቱ ዝኽእል ነይሩ። (እብራውያን 9:3, 7) ነቲ የሆዋ ዝነብረሉ ሰማያዊ ስፍራ እተመልክት ከኣ ኢያ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ሰማይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክኣቱ መሰል ዘለዎ የሱስ ክርስቶስ እቲ ሊቀ ኻህናት ጥራይ ዘይኰነስ እቶም መላእኽቲውን መሰል ኣሎዎም። (ማቴዎስ 18:10፣ እብራውያን 9:24-26) እምበኣር እቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ክወጹ ክረኣዩስ ዘገርም ኣይኰነን። ካብ የሆዋ ኣምላኽ እተቐበልዎ መዚ ኣሎዎም፣ እዚ ኸኣ ነተን ቍጥዓ ኣምላኽ ዝመልኣ ጽዋኣት ኣብ ምድሪ ምፍሳስ ኢዩ።—ራእይ 16:1

16. (ሀ) እቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ነቲ ዕዮኦም ብቑዓት ምዃኖም ዘርእየና እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ ነተን ምሳልያውያን ጽዋኣት ናይ ምፍሳስ ዓቢ ዕዮ ካልኦትውን እቱዋት ምዃኖም ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧

16 እዞም መላእኽቲ እዚኣቶም ነዚ ዕዮ እዚ ኣጸቢቖም ብቑዓት ኢዮም። ተኸዲኖምዎ ዘለዉ ክዳን ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ባዕባዕ ዝብል ጽሩይ ክዳን ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብመንፈስ ጽሩያትን ቅዱሳትን ጻድቃንን ምዃኖም የርኢ። ከምኡውን ብወርቂ እተገብረ ቅናት ተቐኒቶም ነበሩ። ብዙሕ ግዜ ቅናት ሓደ ሰብ ዕዮ ንምፍጻም ክዕጠቕ ከሎ ኢዩ ዝጥቀመሉ። (ዘሌዋውያን 8:7, 13፣ 1 ሳሙኤል 2:18፣ ሉቃስ 12:37፣ ዮሃንስ 13:4, 5) ስለዚ እቶም መላእኽቲ ሓደ እተመዘዙሉ ዕዮ ንምፍጻም ኢዮም ተቐኒቶም ዘለዉ። ብተወሳኺውን ቅናውቶም ብወርቂ ኢዩ። ኣብቲ ናይ ጥንቲ ማሕደር ወርቂ ንመለኮታዊ: ሰማያዊ ነገራት ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 9:4, 11, 12) እዚ ድማ እዞም መላእኽቲ እዚኣቶም ክፍጽምዎ ዘለዎም ክቡር: መለኮታዊ መዚ ናይ ኣገልግሎት ኣሎዎም ማለት ኢዩ። ካልኦትውን ኣብዚ ዓቢ ዕዮ እዚ እቱዋት ኢዮም። ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ነተን ጽዋኣት ይህቦም። እዚ ብዘየጠራጥር እቲ ፍርድታት የሆዋ ንምእዋጅ ዘድሊ ድፍረትን ትብዓትን ዘመልክት ኣንበሳ ዝመስል ቀዳማይ ህያው ፍጡር ኢዩ።—ራእይ 4:7

የሆዋ ኣብ መቕደሱ

17. ዮሃንስ ብዛዕባ እታ መቕደስ እንታይ ይነግረና: እዚኸ ነታ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ቤት መቕደስ ዘዘኻኽረና ብኸመይ ኢዩ፧

17 ኣብ መወዳእታ ዮሃንስ ነዚ ክፋል ናይቲ ትርኢት ክድምድም ከሎ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “እታ መቕደስ ድማ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ግርማን ሓይልን ብትኪ መልኤት። እተን ናይቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሾብዓቲኤን መዓት ክሳዕ ዚውደኣስ: ሓደ እኳ ናብ መቕደስ ኪአቱ ኣይከኣለን።” (ራእይ 15:8) ኣብ ታሪኽ ናይ እስራኤል: ቃል ብቓሉ እታ መቕደስ ብደበና እትሽፈነሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ: እዚ ናይ ግርማ የሆዋ ተርእዮታት እዚ ኸኣ እቶም ካህናት ናብኡ ንኸይኣትዉ ይኽልክሎም ነበረ። (1 ነገስት 8:10, 11፣ 2 ዜና መዋእል 5:13, 14፣ ምስ ኢሳይያስ 6:4, 5 ኣረኣእዮ።) እዚኣተን የሆዋ ኣብ ናይ ምድሪ ምዕባለታት ብንጥፈት ኢዱ ዘእትወለን ዝነበረ ግዝያት ኢየን።

18. እቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ጸብጻቦም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ከቕርቡ ዝምለሱ መዓስ ኢዩ፧

18 ሕጂውን የሆዋ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ኣጸቢቑ ይግደስ ኢዩ። እቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ዕዮኦም ክፍጽሙ ይደልዮም ኢዩ። ከምቲ ኣብ መዝሙር 11:4-6 “እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ: ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት እዩ: ኣዒንቱ ይጥምታ: ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም አለዋ። እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ: ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም። . . . ኣብ ልዕሊ ረሲኣን ወጽመድ ኬዝንም: ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ኪኸውን እዩ” ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ: ፍርዲ ዝፍጸመሉ ናይ መወዳእታ ግዜ ኢዩ። እዘን ሸውዓተ መዓት ኣብ ልዕሊ እቶም ረሲኣን ፈሲሰን ከይተወድኣ: እቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ኣብ ቅድሚ ግርማ የሆዋ ኣይምለሱን ኢዮም።

19. (ሀ) እንታይ ትእዛዝ ኢዩ ዝወጽእ: ብመንከ፧ (ለ) ምፍሳስ ናይተን ምሳልያውያን ጽዋኣት መዓስ ኢዩ ጀሚሩ ክኸውን ዘለዎ፧

19 እቲ ዘርዕድ ትእዛዝ ከም ነጐዳ ይነጕድ:- “ካብታ መቕደስ ከኣ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ፤ ኪዱ: ነቲ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ሾብዓተ ጽዋእ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ: ዚብሎም ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ።” (ራእይ 16:1) ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝሃቦ መን ኢዩ፧ እቲ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ሓይሉን ዝዀነ ይኹን ኣብታ መቕደስ ከይኣቱ ስለ ዝኸልከለ: እቲ ትእዛዛ ድምጺ ካብ የሆዋ ክኸውን ኣለዎ። የሆዋ ብ1918 ኣብታ መንፈሳዊት መቕደሱ ንፍርዲ መጸ። (ሚልክያስ 3:1-5) ነተን ቍጥዓ ኣምላኽ ዝሓዛ ጽዋኣት ከፍስስወን ዝኣዘዞም እምበኣር ብድሕሪ እዛ ዕለት እዚኣ ብዙሕ ከይጸንሐ ክኸውን ኣለዎ። ብሓቂ እንተ ርኢና: እዞም ኣብተን ምሳልያውያን ጽዋኣት እተዓቝሩ ፍርድታት ብጻዕቒ ክእወጁ ዝጀመሩ ካብ 1922 ኣትሒዞም ኢዮም። ሎሚ ድምጺ ናይቲ ኣዋጅ ክብ እናበለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።

እተን ጽዋኣትን ምንፋሕ መለኸትን

20. እተን ጽዋኣት ቍጥዓ የሆዋ እንታይ ኢየን ዝገልጻን ዘጠንቅቓን: ብኸመይከ ኢየን ዝፈሳ፧

20 እተን ቍጥዓ የሆዋ ዝሓዛ ጽዋኣት: የሆዋ ንትርኢት እዛ ዓለም ብኸመይ ከም ዝምልከቶ ዝገልጻን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝፍጽሞ ፍርድታት ዘጠንቅቓን ኢየን። እቶም መላእኽቲ በቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ መዝሙር ሙሴን እቲ ገንሸልን ዝዝምሩ ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣቢሎም ኢዮም ነተን ጽዋኣት ዘፍስስወን። እቲ ክፍሊ ዮሃንስ: ብስራት ናይታ መንግስቲ ክእውጅ ከሎ: ንትሕዝቶ ናይዘን ቍጥዓ ኣምላኽ ዝሓዛ ጽዋኣት ብትብዓት ገሊጽዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ ራእይ 14:6, 7) ስለዚ እቲ ድርብ መልእኽቶም ንወድሰብ ሓርነት ብምእዋጁ ሰላማዊ ክኸውን ከሎ: ናይ ‘መዓልቲ ሕነ ኣምላኽና’ መጠንቀቕታ ብምሃቡ ኸኣ ተዋጋኢ ኢዩ።—ኢሳይያስ 61:1, 2

21. ዒላማታት ናይተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ጽዋኣት ቍጥዓ ኣምላኽ ምስተን ኣርባዕተ ቀዳሞት ምንፋሕ መለኸት ዝመሳሰላ ብኸመይ ኢየን: ኣበይከ ኢየን ዝፈላለያ፧

21 ዒላማታት ናይተን ቍጥዓ ኣምላኽ ዝሓዛ ቀዳሞት ኣርባዕተ ጽዋኣት: ምስ ዒላማታት ምንፋሕ ናይተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መለኸት ዝመሳሰል ኢዩ: እዚ ኸኣ ምድሪ: ባሕሪ: ርባታትን ዓይኒ ማያትን: ከምኡውን ሰማያውያን ምንጭታት ብርሃን ኢየን። (ራእይ 8:1-12) ምንፋሕ ናይቶም መለኸት ኣብ ልዕሊ “ሲሶ” ኢዩ ነይሩ: ምፍሳስ ናይተን ቍጥዓ ኣምላኽ ዝሓዛ ጽዋኣት ግን ንብምሉኡ ኢዩ ዝጐድእ። በዚ ኸምዚ ህዝበ-ክርስትያን ከም “ሲሶ” መጠን ኣብ መዓልቲ ጐይታ ቀዳማይ ቈላሕታ ተገይሩላ እኳ እንተዀነ: በቲ መሪር መልእኽትታት ፍርዲ የሆዋን በቲ ዘስዕቦ ሓዘንን ከይተወቕዐ ዝተርፍ ዋላ ሓደ ክፍሊ ኣገባብ ሰይጣን ግን የለን።

22. እቲ ሰለስተ ናይ መወዳእታ ምንፋሕ መለኸት ፍሉይ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ: ምስተን ሰለስተ ናይ መወዳእታ ጽዋኣት ቍጥዓ የሆዋ ዝመሳሰልከ ብኸመይ ኢዩ፧

22 እቲ ሰለስተ ናይ መወዳእታ ምንፋሕ መለኸት ፍሉይ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ወዮታት ተባሂሉ ኢዩ ተጸዊዑ። (ራእይ 8:13፣ 9:12) ካብዚኣቶም ብፍላይ እቶም ክልተ ቐዳሞት ኣንበጣን ሰራዊት ፈረሰኛታትን ዝሓዙ ክዀኑ ከለዉ: እቲ ሳልሳይ ከኣ ምውላድ መንግስቲ የሆዋ ዘፍልጥ ኢዩ። (ራእይ 9:1-21፣ 11:15-19) ክንርእዮ ከም ዘሎና: እተን ሰለስተ ናይ መወዳእታ ጽዋኣት ቍጥዕኡ ገለ ካብዚ መዳያት እዚ ዝሓዛ ኢየን: ካብቲ ሰለስተ ወዮታት ግን ፍልይ ዝበላ ኢየን። ሕጂ እተን ጽዋኣት ቍጥዓ የሆዋ ዝመልኣ ብምፍሳሰን ዝስዕብ ዝምስጥ መግለጺታት ተጠንቂቕና ነቕልበሉ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ምስ እዚ ብዝሰማማዕ: ብ1921 እቲ ክፍሊ ዮሃንስ እታ ብልዕሊ 20 ቋንቋታት እተሓትመትን ብልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ቅድሓት እተዘርግሐትን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትሕግዝ በገና ኣምላኽ (እንግሊዝኛ) እትብሃል መጽሓፍ ኣውጽአ። ዝያዳ ቅቡኣት ዘመርቲ ንምምጻእ ከኣ ሓገዘት።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]