ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕቤት ናይቲ ሰማያዊ ዝፋን የሆዋ

ዕቤት ናይቲ ሰማያዊ ዝፋን የሆዋ

ምዕራፍ 14

ዕቤት ናይቲ ሰማያዊ ዝፋን የሆዋ

ትርኢት 2​—ራእይ 4:1–5:14

ቀንዲ መልእኽቲ:- ዘርዕድ ፍጻመታት ኣብ ቅድሚ ዝፋን ፍርዲ ኣምላኽ

ዝፍጸመሉ ግዜ:- እዚ ትርኢት እዚ ካብ 1914 ጀሚሩ ክሳዕ መወዳእታ ናይ ሽሓዊ ዓመትን ድሕሪኡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ኵሉ ፍጥረት ንየሆዋ ዝውድሰሉ ግዜ: ዝፍጸም ነገራት ይገልጽ።—ራእይ 5:13

1. ኣብቲ ዮሃንስ ዘካፍለና ትርኢታት ዓሚቝ ተገዳስነት ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

 ዮሃንስ ካልእ ስምዒትካ ዘነቓቕሕ ትርኢታት ከካፍለና ይጅምር። ብመንፈስ ገና ኣብ መዓልቲ ጐይታ ኢዩ ዘሎ። ስለዚ እቲ ዝህቦ መግለጺ ነዞም ብሓቂ ኣብ መዓልቲ ጐይታ እንነብር ዘሎና ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። በዚ ትርኢታት እዚ ገይሩ: የሆዋ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት ናይ ዘይምርኣይ ጕልባብ ይቐልዕ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዝፍጸም ፍርዱ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣረኣእያ ይገልጸልና። ብተወሳኺውን ተስፋና ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ብዘየገድስ: እዚ ራእይታት እዚ ኣብ ዕላማ የሆዋ ዘሎና ቦታ ንምፍላጥ ይሕግዘና። ስለዚ ኵላትና ኣብቲ “እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን: ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም” ዝብል ናይ ዮሃንስ መግለጺ ዓሚቝ ተገዳስነት ምርኣይ ክንቅጽል ይግብኣና።—ራእይ 1:3

2. ዮሃንስ ሕጂ እንታይ ተመክሮ ኢዩ ዘለዎ፧

2 እቲ ዮሃንስ ቀጺሉ ዝረኣዮ: ካብቲ ነዚ ኣብ ግዜና ዘሎ ሰብ ብቪድዮ ዝቐርበሉ ዝዀነ ነገር ዝበልጽ ኢዩ! ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ድሕርዚ ድማ: እንሆ: ኣብ ሰማይ ክፉት ደገ ርኤኹ። እቲ ምሳይ ኪዛረብ ከሎ ዝሰማዕክዎ ኸም መለኸት ዝዀነ ቐዳማይ ድምጺ ኸአ፤ ድሕሪ ሕጂ ዚኸውን ነገር ከርእየካስ ነጀው ደይብ: በለኒ።” (ራእይ 4:1) ዮሃንስ ብትርኢት: ካብዚ ጠፈርተኛታት ዝዳህሰስዎ ቃል ብቓሉ ጠፈር ኣጸቢቑ ክብ ዝበለ: አረ ካብ ጋላክስታት ናይዚ ዝርአ ኣድማስ እውን ኣጸቢቑ ዝለዓለ: ኣብቲ የሆዋ ዘለዎ ዘይርአ ሰማያት ይኣቱ። ዮሃንስ ብሓደ ክፉት ደገ ከም ዝኣተወ: ሓለፍ ዝበለ ትርኢት ናይቲ የሆዋ ባዕሉ ኣብ ዝፋን እተቐመጠሉ ዝለዓለ መንፈሳዊ ሰማያት ብምርኣይ ነዒንቱ ባህ ከብል ይዕደም። (መዝሙር 11:4፣ ኢሳይያስ 66:1) ኣየ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ!

3. እቲ ‘ኸም መለኸት ዝዀነ ድምጺ’ እንታይ የዘኻኽረና: ብዘይጥርጥርከ ምንጪ ናይዚ ድምጺ እዚ መን ኢዩ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ “ቐዳማይ ድምጺ” ናይ መን ከም ዝዀነ ኣይገልጾን ኢዩ። ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ እተሰምዐ ብርቱዕ ድምጺ የሱስ: እዚውን ስልጣን ዘለዎ ከም ናይ መለኸት ዝበለ ድምጺ ኢዩ። (ራእይ 1:10, 11) ነቲ ህላወ የሆዋ ንምምልካት ኣብ ከረን ሲና ዝንፋሕ ዝነበረ ብርቱዕ ድምጺ ቀርኒ የዘኻኽር። (ዘጸኣት 19:18-20) የሆዋ ናይዚ ዕድመታት እዚ ግርማዊ ምንጪ ከም ዝዀነ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ራእይ 1:1) ዮሃንስ ብራእይ ናብ ኵሉ እቲ ሰፊሕ ግዝኣት ናይ ሉዓላውነት የሆዋ ዘለዎ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ ምእንቲ ክኽእል ነቲ ደገ ኸፈተሉ።

ዘንጸባርቕ ህላወ የሆዋ

4. (ሀ) ናይ ዮሃንስ ራእይ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ (ለ) ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ተስፋ ዘለዎምከ እንታይ ትርጕም አለዎ፧

4 ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝርኢ፧ ሕጂ ነቲ ዓቢ ተመክሮኡ ከዘንትወልና ኸሎ እስከ ጽን ንበል:- “ሽዑ ብመንፈስ ኰንኩ: እንሆ ድማ: ኣብ ሰማይ ዝፋን ተነቢሩ: ኣብቲ ዝፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ።” (ራእይ 4:2) ዮሃንስ በቲ ናይ ኣምላኽ መስለጢ ሓይሊ ብቕጽበት ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋ ብመንፈስ ተወስደ። እዝስ ንዮሃንስ ክሳዕ ክንደይ ዝምስጥ ኰን ኢዩ! ኣብዚ ኸኣ ዘብለጭልጭ ቅድመ-ትርኢት ናይቲ ንሱን ካልኦት ቅቡኣት ክርስትያናትን ክወርስዎ ተዓቚሩሎም ዘሎ ‘ዘይሓልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ርስቲ’ ረኣየ። (1 ጴጥሮስ 1:3-5፣ ፊልጲ 3:20) ናይ ዮሃንስ ራእይ ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ተስፋ ዘለዎም ሰባትውን ዓቢ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። ኽብሪ ህላወ የሆዋ ከምኡውን ነህዛብ ንምፍራድን ብድሕሪኡውን ነቶም ኣብ ምድሪ ዝህልዉ ሰባት ንምምሕዳርን ዝጥቀመሉ ሰማያዊ ናይ ግዝኣት መዋቕር ንኽርድእዎ ይሕግዞም። የሆዋ ብሓቂ ኣምላኽ ናይታ ድንቂ ዝዀነት ማሕበር ኢዩ!

5. ዮሃንስ እንታይ በቲ መኽደን ታቦት ኪዳን ተመሲሉ ዝነበረ ነገር ኢዩ ዝርኢ፧

5 መብዛሕትኡ ካብቲ ዮሃንስ ኣብ ሰማይ ዝረኣዮ ነገራት: ነታ ኣብ በረኻ ዝነበረት ማሕደር ኢዩ ዝመስል። እዚኣ ድማ 1,600 ዓመታት ኣቐድም ኣቢሉ እስራኤላውያን ከም ቤት መቕደስ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ክጥቀሙላ ተሰርሐት። ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ናይታ ማሕደር ድማ ታቦት ኪዳን ነበረ: ብልዕሊ እቲ ብጽሩይ ወርቂ እተሰርሐ መኽደን ታቦት ከኣ ኢዩ የሆዋ ዝዛረብ ዝነበረ። (ዘጸኣት 25:17-22፣ እብራውያን 9:5) ስለዚ: እቲ መኽደን ታቦት ከም ምልክት ዝፋን የሆዋ የገልግል ነበረ። ሕጂ ዮሃንስ ናይቲ ምሳልያዊ ምልክት ክዉንነት ማለት: እቲ ልዑል ጐይታ የሆዋ ኣብቲ ክብ ዝበለ ሰማያዊ ዝፋኑ ኣብ ዝበለጸ ግርማ ተቐሚጡ ይርኢ!

6. እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ የሆዋ ዝነግረና ዝምስጥ ነገር እንታይ ኢዩ: እዚ ግቡእ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ዮሃንስ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ንዝፋን የሆዋ ዝረኣዩ ነብያት ገይሩ ነቲ ኣብቲ ዝፋን እተቐመጠ ቅዱስ ብዝርዝር ኣይገልጾን ኢዩ። (ህዝቅኤል 1:26, 27፣ ዳንኤል 7:9, 10) ይኹን እምበር ዮሃንስ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ዝረኣዮ ዝምስጥ ነገር ስምዒቱ በዚ ዝስዕብ ቃላት ገይሩ ይገልጽ:- “እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ: ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን ይመስል: ነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና ኸቢቡዎ ነበረ።” (ራእይ 4:3) ኣየ ከመይ ዝበለ መወዳድርቲ ዘይብሉ ዕቤት ኰን ኢዩ! ዮሃንስ: ነቲ ዘብለጭልጭ ክቡር ዕንቊ ዝመስል ንጹርን ዘንጸባርቕን ጽባቐ ይርኢ። እዝስ ምስቲ ወዲ መዝሙር ያእቆብ ንየሆዋ “ኣቦ [“ሰማያዊ:” NW] ብርሃናት” ዝበሎ ኣገላልጻ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ብልክዕ ዝሰማማዕ! (ያእቆብ 1:17) ንመጽሓፍ ራእይ ምስ ጸሓፈ ቅሩብ ጸኒሑ ዮሃንስ ባዕሉ ከምዚ በለ:- ‘እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑ ኣብኡ ኸአ ሓንቲ እኳ ጸልማት የብሉን።’ (1 ዮሃንስ 1:5) ብሓቂ የሆዋ ከመይ ዝበለ ድንቂ ዝዀነ ክብሪ ዝለበሰ ኣምላኽ ኰን ኢዩ!

7. ኣብ ዙርያ ዝፋን የሆዋ ቀስቲ ደበና ምህላዉ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧

7 ዮሃንስ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ሓምላይ ከም ሕብሪ ስመራግድ ዝመስል ቀስቲ ደበና ከም ዝረኣየ ኣስተብህል። እታ ኣብዚ ቀስቲ ደበና (ኢሪ΄ስ) ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ንሓደ ምሉእ ብምሉእ ክቢ ዝዀነ ነገር ኢያ እተመልክት። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቀስቲ ደበና ምስ መዓልትታት ኖህ ተተሓሒዙ ኢዩ ንመጀመርታ ግዜ ተጠቒሱ ዘሎ። እቲ ማይ ኣይሂ ምስ ነጸፈ: የሆዋ ኣብ ደበና ቀስቲ ደበና ከም ዝርአ ገበረ: ንምንታይ ከም ዘመልክት ከኣ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ: ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ። ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳነይ እዝክር። ደጊምሲ እቲ ንዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ዘፍጥረት 9:13, 15) እቲ ሰማያዊ ራእይ ንዮሃንስ እንታይ ኣዘከሮ፧ እቲ ዝረኣዮ ቀስቲ ደበና: ከምቲ እዞም ናይ ሎሚ ክፍሊ ዮሃንስ ዘስተማቕርዎ ዘለዉ: ምስ የሆዋ ሰላማዊ ርክብ ምግባር ኣድላዪ ከም ዝዀነ ኣዘኻኺርዎ ክኸውን ይኽእል። በቲ ህድኣትን ሰላምን ናይ ህላወ የሆዋ ከም ዝምሰጥ እውን ይገብሮ: እዚ ኸኣ በቲ የሆዋ ድንኳኑ ኣብ ልዕሊ ናይታ ሓዳስ ምድሪ ማሕበረሰብ ምስ ዘርግሖ ዝሰፍን ህድኣት እውን ዘጠቓልል ኢዩ።—መዝሙር 119:165፣ ፊልጲ 4:7፣ ራእይ 21:1-4

ነቶም 24 ሽማግለታት ምልላዮም

8. ዮሃንስ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ንመን ኢዩ ዝርኢ: እዚኣቶምከ ንመን ኢዮም ዝውክሉ፧

8 ዮሃንስ ኣብታ ጥንታዊት ማሕደር: ካህናት ንኸገልግሉ ከም እተመዘዙ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ ነቲ ቐጺሉ ዝገልጾ ብምርኣዩ ተገሪሙ ክኸውን ነበሮ:- “ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን አርባዕተን ዝፋናት: ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርኤኹ።” (ራእይ 4:4) እወ: ኣብ ክንዲ ካህናት: ከም ነገስታት ኣብ ዝፋናት እተቐመጡ ኣኽሊላትውን ዝደፍኡ 24 ሽማግለታት ኢዮም ዘለዉ። እዞም ሽማግለታት እንታዎት ኢዮም፧ እዚኣቶም ብዘይካ እቶም ተንሲኦም ነቲ የሆዋ ዘተስፈዎም ሰማያዊ ቦታ ዝሓዙ ቅቡኣት ኣባላት ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ካልኦት ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ነዚ ከመይ ገይርና ንፈልጦ፧

9, 10. እቶም 24 ሽማግለታት ንጉባኤ ናይቶም ኣብቲ ክቡር ሰማያዊ ቦታ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ዝምሰሉ ብኸመይ ንፈልጥ፧

9 ቅድሚ ዅሉ: ኣኽሊላት ደፊኦም ኣለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት ‘ዘይሓልፍ ኣኽሊል’ ከምኡውን መወዳእታ ዘይብላ ወይ ከኣ ዘይትመውት ህይወት ከም ዝረኽቡ ኢዩ ዝዛረብ። (1 ቈረንቶስ 9:25፣ 15:53, 54) እንተዀነ ግን: እዞም 24 ሽማግለታት ኣብ ዝፋናት ተቐሚጦም ስለ ዘለዉ: እቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ኣኽሊላት ወርቂ ንንጉሳዊ ስልጣን ኢዩ ዘመልክት። (ምስ ራእይ 6:2፣ 14:14 ኣረኣእዮ።) እዚ ኸኣ: እቶም 24 ሽማግለታት ነቶም ኣስኣሰር የሱስ ዝስዕቡ ቅቡኣት ኣብ ሰማያዊ ቦትኦም ከለዉ ዘርኢ ኢዩ ዝብል መደምደምታ ይድግፍ: ከመይሲ የሱስ ኣብ መንግስቱ ኣብ ዝፋናት ክቕመጡ ምስኦም ኪዳን ገይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 22:28-30) ኣብ ሰማይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ከም ዝገዝኡ እተነግረሎም ንየሱስን ነቶም 24 ሽማግለታትን ጥራይ ኢዩ እምበር ንመላእኽቲ ኣይኰነን።

10 እዚ ምስቲ የሱስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ሎዲቅያ ዝነበሩ ዝሃቦም መብጽዓ ይሰማማዕ:- “ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ።” (ራእይ 3:21) እቲ ሰማያዊ መዝነት ናይቶም 24 ሽማግለታት ግን: ኣብ መንግስታዊ ምምሕዳር ጥራይ እተወሰነ ኣይኰነን። ኣብ መእተዊ ናይ መጽሓፍ ራእይ: ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ ይብል:- “ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ [“ንኣምላኹን ኣቦኡን:” NW] መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና።” (ራእይ 1:5, 6) እዚኣቶም ነገስታትን ካህናትን እዮም። “ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ: ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም።”—ራእይ 20:6

11. ቍጽሪ ናይቶም ሽማግለታት 24 ምዃኑ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: እዚ ቝጽሪ እዚኸ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧

11 ዮሃንስ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን 24 ሽማግለታት ምርኣዩስ እታ ቝጽሪ 24 እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ፧ እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ እሙናት ካህናት ብብዙሕ መገዲ ናይዚኣቶም ጽላሎት ኢዮም ነይሮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት “ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ጴጥሮስ 2:9) ዘገርም ድማ እቲ ጥንታዊ ናይ እብራውያን ክህነት ኣብ 24 ክፍልታት እተኸፍለ ኢዩ ነይሩ። እቲ ቅዱስ ኣገልግሎት ብዘይምቍራጽ ምእንቲ ክግበር ከኣ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንኸገልግል ኣብ ዓመት ፍሉይ ሰሙናት ይምደበሉ ነበረ። (1 ዜና መዋእል 24:5-19) ስለዚ እምበኣር: ኣብቲ ዮሃንስ ብዛዕባ ሰማያዊ ክህነት ዝረኣዮ ራእይ 24 ሽማግለታት ክህልዉስ ግቡእ ኢዩ: ምኽንያቱ እዚ ናይ ክህነት ስርዓት እዚ ንየሆዋ ብቐጻሊ: ብዘይ ምቍራጽ ዘገልግል ኢዩ። ቍጽሮም ምስ መልአ ድማ 24 ክፍሊ ክዀኑ ኢዮም: ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኸኣ 6,000 ሰዓርቲ ዝሓዘት ክትከውን ኢያ: ከመይሲ ራእይ 14:1-4 እቶም ምስቲ ገንሸል የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ደብረ ጽዮን ደው ዝብሉ “ካብ ምድሪ እተዐደጉ” 144,000 (24×6,000) ምዃኖም ይነግረና። ቍጽሪ 12 ሚዛናዊ ዝዀነ መለኮታዊ ምምሕዳር ዘመልክት ካብ ኰነ: ቍጽሪ 24 ድማ ነቲ ኸምዚ ዝበለ ምድላው ዕጽፊ ዝገብር ወይ ዘደልድል ኢዩ።

መባርቕ: ደሃያት: ከምኡውን ነጐዳታት

12. ቀጺሉ ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝርእን ዝሰምዕን: እቲ ‘መባርቕን ደሃያትን ነጐዳታትንከ’ እንታይ ኢዩ ዘዘክር፧

12 ቀጺሉኸ ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝርእን ዝሰምዕን፧ “ካብቲ ዝፋን ከኣ መባርቕን ደሃያትን ነጐዳታትን ወጸ።” (ራእይ 4:5ሀ) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ካልእ ዘፍርህ ኣስተርእዮ ናይቲ ሰማያዊ ሓይሊ የሆዋ ኰን ኢዩ ዘዘኻኽር! ንኣብነት: የሆዋ ናብ ከረን ሲና ‘ክወርድ’ ከሎ: ሙሴ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ሃበ:- “ኰነ ኸኣ: በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኺወግሕ ከሎ ነጕድን በርቅን ከቢድ ደበናን ናብ ልዕሊ እቲ ኸረን ኰነ: ኣዝዩ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትውን ተሰምዔ። . . . እቲ ደሃይ መለኸት ከኣ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ። ሙሴ ተዛረበ: እግዚኣብሄር ድማ ብቓሉ መለሰሉ።”—ዘጸኣት 19:16-19

13. እቲ ካብ ዝፋን የሆዋ ዝወጽእ መባርቕ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

13 ብመዓልቲ ጐይታ: የሆዋ ሓይሉን ህላወኡን ብዘደንጹ መገዲ ኢዩ ዘርኢ። ቃል ብቓሉ ብመብረቕ ኣይኰነን ዘርእዮ: ከመይሲ ዮሃንስ ምልክታት ኢዩ ዝረኣየ። እሞኸ ደኣ: እቲ መባርቕ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ ማሕታ ናይ መብረቕ ከብርህ ይኽእል: እንተዀነ ግን ክቐትልውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ: እቲ ካብ ዝፋን የሆዋ ዝወጽእ መባርቕ ነቲ ብቐጻሊ ንህዝቡ ዝህቦም ናይ ምርዳእ ብርሃን: ብዝያዳ ኸኣ ነቲ ርሱን ናይ ፍርዲ መልእኽትታቱ የመልክት።—ምስ መዝሙር 18:14፣ 144:5, 6፣ ማቴዎስ 4:14-17፣ 24:27 ኣረኣእዮ።

14. ሎሚ ደሃያት ብኸመይ ይስማዕ ኣሎ፧

14 ብዛዕባ እቲ ደሃያትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ የሆዋ ኣብ ከረን ሲና ምስ ወረደ: ንሙሴ ደሃይ ተዛረቦ። (ዘጸኣት 19:19) መብዛሕትኡ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ትእዛዛትን ኣዋጃትን ከኣ ካብ ሰማይ ዝመጸ ደሃያት ኢዩ ኣመሓላሊፍዎ። (ራእይ 4:1፣ 10:4, 8፣ 11:12፣ 12:10፣ 14:13፣ 16:1, 17፣ 18:4፣ 19:5፣ 21:3) ሎሚውን የሆዋ: ብዛዕባ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን መሰረታዊ ስርዓታትን ዘለዎም ምርዳእ ንኸስተውዕሉ እናብርሀ: ንህዝቡ ትእዛዛትን ኣዋጃትን ኣመሓላሊፉ ኢዩ። ብርሃን ዝሓዙ ሓበሬታታት ወርትግ ኣብቲ ዓለምለኸ ዓበይቲ ኣኼባታት ይግለጽ: እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሓቅታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣብ ብዘላ ዓለም ይእወጁ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም እሙናት ሰበኽቲ ብስራት “ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወጸ: ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሔ” ይብል።—ሮሜ 10:18

15. ኣብዚ ክፍሊ ናይ መዓልቲ ጐይታ ዝዀነ ግዜ ከመይ ዝበለ ነጐዳታት ኢዩ ካብቲ ዝፋን ዝወጽእ ዘሎ፧

15 ዝበዝሕ ግዜ ድሕሪ መብረቕ ነጐዳ ኢዩ ዝስዕብ። ዳዊት ነቲ ቃል ብቓሉ ነጐዳ “ድምጺ እግዚኣብሄር” ኢሉ ገለጾ። (መዝሙር 29:3, 4) የሆዋ ንዳዊት ኣንጻር ጸላእቱ ክዋግኣሉ ከሎ ካብኡ ነጐዳ ከም ዝመጸ ይንገር። (2 ሳሙኤል 22:14፣ መዝሙር 18:13) ኤሊሁ ንእዮብ: የሆዋ ‘ዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገራት ክገብር’ ከሎ ደሃዩ ከም ደሃይ ነጐዳ ከም ዝጥዕም ነገሮ። (እዮብ 37:4, 5) ኣብዚ ግዜ ናይ መዓልቲ ጐይታ ድማ: የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ክገብሮ ዘለዎ ዓበይቲ ነገራት እናጠንቀቐ ‘የንጐድጒድ’ ኣሎ። እዚ ምሳልያዊ ብርቱዕ ደሃይ ናይ ነጐዳ እዚ ኸኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብተደጋጋሚ ተቓሊሑ ኢዩ። ነዚ ከም ነጐድጓድ ዝእወጅ ዘሎ በቓልቦ እንተድኣ ሰሚዕካዮ: ድሃዩ ዓው ንምባል ከኣ ከናፍርካ ብጥበብ ትጥቀመሉ እንተድኣ ኣሊኻ ሕጕስ ኢኻ!—ኢሳይያስ 50:4, 5፣ 61:1, 2

መብራህቲ ሓውን ባሕሪ መረጸንን

16. በቲ “ሾብዓተ መብራህቲ ሓዊ” ተመሲሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧

16 ቀጺሉኸ ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝርኢ፧ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሾብዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ንሳቶም እቶም ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ድማ ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ: ክሪስታል ዚመስል አሎ።” (ራእይ 4:5ለ, 6ሀ) ዮሃንስ ባዕሉ ትርጕም ናይቶም ሸውዓተ መብራህቲ ክነግረና ኸሎ: “ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም” ይብል። ቍጽሪ ሸውዓተ መለኮታዊ ምልኣት ኢዩ ዘመልክት፣ ስለዚውን እቲ ሸውዓተ መብራህቲ ምልኣት ናይቲ ዝምህር ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ከመልክት ኣለዎ። ሎሚ እዚ ናይ ብርሃን ሕድሪ እዚ ስለ እተዋህቦ ብተወሳኺውን ንኻልኦት ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብመንፈስ ዝጠመዩ ሰባት ከመሓላልፎ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዘማሱ! ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣማእታት ሚልዮናት ቅዳሓት ናይ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብ150 ዝኸውን ቋንቋታት እናተሓትመ ነዚ ብርሃን እዚ የንጸባርቕ ምህላዉስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና እንሕጐስ!—መዝሙር 43:3

17. እቲ “ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ: ክሪስታል ዚመስል” እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

17 ዮሃንስ “ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ: ክሪስታል ዚመስል” እውን ርእዩ ኣሎ። እዚኸ ምስቶም ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣጸድ የሆዋ ክኣትዉ እተዓደሙ ብምዝማድ እንታይ የመልክት፧ ጳውሎስ “ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ” ብምባል: የሱስ ነታ ማሕበሩ ዝቐደሰሉ መገዲ ተዛረበ። (ኤፌሶን 5:26) የሱስ ቅድሚ ሞቱ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “ንስኻትኩም ከኣ: ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል: ድሮ ንጹሃት ኢኹም።” (ዮሃንስ 15:3) ስለዚ እምበኣር: እዚ ከም ክሪስታል ዝመስል ባሕሪ መረጸን: ነቲ ንጹህ ዝገብር ተመዝጊቡ ዘሎ ቃል ኣምላኽ የመልክት። እቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝቐርቡ ናይ መንግስቲ ካህናት: ብቓሉ ኣጸቢቖም ዝጸረዩ ክዀኑ ኣለዎም።

ርኣዩ—“ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት”

18. ዮሃንስ ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያኡን እንታይ ኢዩ ዝርኢ፧

18 ሕጂ ድማ ዮሃንስ ካልእ ነገር ይርኢ። ከምዚ ኢሉውን ጸሓፈ:- “ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳውን [“ህያዋን ፍጡራትውን” NW] አብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን አለዉ።”ራእይ 4:6ለ

19. እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት እንታይ የመልክቱ: ነዚኸ ብኸመይ ንፈልጦ፧

19 እዞም ፍጡራት እዚኣቶምከ እንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧ ብሓደ ኻልእ ነብዪ: ማለት ህዝቅኤል ዝቐረበ ጸብጻብ ነቲ መልሲ ክንረኽቦ ይሕግዘና ኢዩ። ህዝቅኤል ከምቲ ብዮሃንስ እተገልጸ ዝመስል ባህርያት ዝለበሱ ህያውን ፍጡራት ተሰንዩ: ንየሆዋ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሰማያዊት ሰረገላ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ርኣየ። (ህዝቅኤል 1:5-11, 22-28) ድሕርዚ ህዝቅኤል: እንደገና ነቲ ናይ ሰረገላ ዝፋን ብህያዋን ፍጡራት ተሰንዩ: ርኣዮ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ነቶም ህያዋን ፍጡራት: ኪሩቤላት ኢሉዎም ኣሎ። (ህዝቅኤል 10:9-15) እቶም ዮሃንስ ዝርኣዮም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት እምበኣር: ነቶም ኣብቲ መንፈሳዊ ማሕበር የሆዋ ክብ ዝበለ መዓርግ ዝሓዙ ናይ ኣምላኽ ኪሩቤላት ከመልክቱ ኣለዎም። ዮሃንስ: ኣብ ጥቓ የሆዋ ኪሩቤላት ብምርኣዩ ተገሪሙ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ምኽንያቱ ድማ ኣብታ ናይ ጥንቲ ማሕደር ኣብ ልዕሊ እቲ ንዝፋን የሆዋ ዘመልክት መኽደን ታቦት ኪዳን ክልተ ብወርቂ እተሰርሑ ኪሩቤላት ነይሮም ኢዮም። ካብ መንጎ እዞም ኪሩቤላት እዚኣቶም ከኣ: ድምጺ የሆዋ ነቲ ህዝቢ ትእዛዛት የመሓላልፍ ነበረ።—ዘጸኣት 25:22፣ መዝሙር 80:1

20. እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት “ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን” ኣለዉ ክበሃል ዝኽእል በየናይ መገዲ ኢዩ፧

20 እዞም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት እዚኣቶም “ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን” ኢዮም ዘለዉ። እዚኸ ብልክዕ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን: ሓደ ኣብ ማእከል ነፍሲ ወከፍ ወገን ናይቲ ዝፋን ነይሩ ማለት ክኸውን ይኽእል። በዚ ኸኣ ናይ ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ተርጐምቲ ነተን ናይ በዅሪ ጽሑፋት ግሪኽ ቃላት ከም ዘለዎ ብምውሳድ “ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወገኑ” ብምባል ይጠቕስወን። ብኻልእ ኣገላልጻ ድማ እቶም ህያዋን ፍጡራት ቦትኦም ኣብ ማእከል: ኣብቲ ዝፋን ዝርከቦ ሰማይ: ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ምናልባትውን ዘ ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ) “ኣብ ማእከል ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ተኣኪቦም” ኢሉ ዝጠቕሳ በዚ ምኽንያት እዚ ክኸውን ይኽእል። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን እቶም ኪሩቤላት ኣብ ጥቓ ዝፋን የሆዋ ምህላዎም ኢዩ: ምስቲ ህዝቅኤል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩርናዕ ሰረገላ ማሕበር የሆዋ ዝረኣዮም ኪሩቤላት ዝመሳሰል ኢዩ። (ህዝቅኤል 1:15-22) እዚ ዅሉ ኸኣ ምስቲ ኣብ መዝሙር 99:1 ዘሎ “እግዚኣብሄር ነጊሱ . . . አብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ” ዝብል ቃላት ይሰማማዕ።

21, 22. (ሀ) ዮሃንስ ነቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ብኸመይ ይገልጾም፧ (ለ) ነፍሲ ወከፍ ትርኢት ናይቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት እንታይ የመልክት፧

21 ዮሃንስ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እቲ ቐዳማይ ህያው ፍጡር ከአ ኣንበሳ ይመስል: እቲ ኻልኣይ ህያው ፍጡር ድማ ዝራብዕ ይመስል: እቲ ሳልሳይ ህያው ፍጡር ኸኣ ከም ገጽ ሰብ ዝመስል ገጽ ኣለዎ: እቲ ራብዓይ ህያው ፍጡርውን ዝነፍር ንስሪ ኢዩ ዝመስል።” (ራእይ 4:7 NW) እዞም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት እዚኣቶም እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ኣዝዩ እተፈልየ ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧ እዞም እተፈላለዩ ህያዋን ፍጡራት እዚኣቶም: ንፍልይ ዝበለ ባህርያት ኣምላኽ ኢዮም ዘመልክቱ። መጀመርታ ኣንበሳ ኢዩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣንበሳ: ብሕልፊ እኳ ፍትሕን ቅንዕናን ኣብ ምስዓብ: ከም ምልክት ናይ ትብዓት ኢዩ ዝጥቀመሉ። (2 ሳሙኤል 17:10፣ ምሳሌ 28:1) ስለዚ ኣንበሳ: ነቲ ኣምላኻዊ ባህሪ ናይ ትብዓት ዘለዎ ፍትሒ ኢዩ ዘመልክት። (ዘዳግም 32:4፣ መዝሙር 89:14) እቲ ኻልኣይ ህያው ፍጡር ከኣ ዝራብዕ ኢዩ ዝመስል። ዝራብዕ እንታይ ባህሪ ኢዩ ዘዘክረካ፧ ዝራብዕ ሓያል ስለ ዝዀነ: ንእስራኤላውያን ክቡር ጥሪት ኢዩ ነይሩ። (ምሳሌ 14:4፣ እዮብ 39:9-11 እውን ርአ።) እምበኣርከስ ዝራብዕ ጕልበት: ነቲ ብየሆዋ ዝወሃብ መጠን ዘይብሉ ሓይሊ ኢዩ ዘመልክት።—መዝሙር 62:11፣ ኢሳይያስ 40:26

22 እቲ ሳልሳይ ህያው ፍጡር ድማ ገጽ ሰብ ዝመስል ገጽ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣምላኻዊ ፍቕሪ ዘመልክት ክኸውን ኣለዎ: ከመይሲ ኣብ ምድሪ ሰብ ጥራይ ኢዩ ብመልክዕ ኣምላኽ: ማለት እቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ናይ ፍቕሪ ባህርያት ሒዙ እተፈጥረ። (ዘፍጥረት 1:26-28፣ ማቴዎስ 22:36-40፣ 1 ዮሃንስ 4:8, 16) ብዘይ ጥርጥር እቶም ኪሩቤላት ኣብ ዙርያ ዝፋን የሆዋ ከገልግሉ ኸለዉ ነዚ ባህሪ እዚ የንጸባርቑ ኢዮም። እቲ ራብዓይ ህያው ፍጡርከ እንታይ ኢዩ፧ እዚ ትርኢቱ ዝነፍር ንስሪ ኢዩ ዝመስል። የሆዋ ባዕሉ ብዛዕባ ናይ ንስሪ ዓቢ ክእለት ምርኣይ ክዛረብ ከሎ “ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ” ይብል። (እዮብ 39:29) ስለዚ ንስሪ ኣርሒቑ ንዝርኢ ጥበብ ጽቡቕ ገይሩ ዘመልክት ኢዩ። የሆዋ ናይ ጥበብ ምንጪ ኢዩ። እቶም ኪሩቤላቱ ድማ ትእዛዛቱ ክሕልዉ ኸለዉ መለኮታዊ ጥበብ የዘውትሩ ኢዮም።—ምሳሌ 2:6፣ ያእቆብ 3:17

ውዳሰ የሆዋ ይቃላሕ

23. እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት “ኣዒንቲ መሊእዎም” ኢዩ ዝብል ሓሳባት እንታይ የመልክት: ሰለስተ ጽምዲ ክንፊ ምህላዎምከ እንታይ ኢዩ ዘጕልሕ፧

23 ዮሃንስ መግለጺኡ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “እቶም ኣርባዕተ እንስሳ [“ህያዋን ፍጡራት:” NW] ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ አለዎም: ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ: ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፤ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ: ቅዱስ: ቅዱስ እዩ: ይብሉ።” (ራእይ 4:8) እዚ ምልኣት ናይ ኣዒንቲ እዚ ድማ: ጎደሎ ዘይብሉን ኣርሒቕካን ናይ ምርኣይ ክእለት የመልክት። እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ድማ ነዚ ብዘይምቍራጽ ኢዮም ዝገብርዎ: ምኽንያቱ ድቃስ ኣየድልዮምን ኢዩ። ነቲ ብዛዕብኡ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ: ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ:” ተባሂሉ እተጻሕፈሉ ኢዮም ዝቐድሕዎ። (2 ዜና መዋእል 16:9) እቶም ኪሩቤላት ኣዝዩ ብዙሕ ኣዒንቲ ስለ ዘለዎም ድማ: ኣብ ኵሉ ክርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። ከየስተባህልሉ ዝሓልፍ ዋላ ሓንቲ እኳ የለን። ስለዚ ኸኣ: ንየሆዋ ኣብቲ ናይ ፍርዲ ዕዮኡ ንኸገልግልዎ እተዓጥቁ ኢዮም። ብዛዕብኡ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን: ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም” ተባሂሉ ኣሎ። (ምሳሌ 15:3) በቲ ሰለስተ ጽምዲ ክንፊ ኸኣ እቶም ኪሩቤላት ከም በርቂ ብምውንጫፍ ንፍርዲ ኣምላኽ ክእውጁን ክፍጽሙን ይኽእሉ፣ ቍጽሪ ሰለስተ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ነገር ንምጕላሕ ኢዩ ዝዝውተር።

24. እቶም ኪሩቤላት ንየሆዋ ዝውድስዎ ብኸመይ ኢዮም: ምስ እንታይ ትርጕምከ፧

24 ጽን ኢልካ እሞ ስማዕ! እቶም ኪሩቤላት ንየሆዋ ዝዝምርሉ ዘለዉ መዝሙር ውዳሰ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ምኡዝን ዘለዓዕልን ኢዩ:- “እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኵሉ ዚከአሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ: ቅዱስ: ቅዱስ እዩ።” እንደገና እቲ ሰለስተ ግዜ ምድግጋም: ዕምቈት የመልክት። እቶም ኪሩቤላት ንቕድስና የሆዋ ኣምላኽ ኢዮም ኣጸቢቖም ዘረጋግጹ ዘለዉ። ንሱ ምንጭን ዝለዓለ መዐቀንን ናይ ቅድስና ኢዩ። ንሱ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ:” ኵሉ ግዜ ኸኣ “ኣልፋን ኦሜጋን: ቀዳማይን ዳሕራይን: መጀመርታን መወዳእታን” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:17፣ ራእይ 22:13) እቶም ኪሩቤላት ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ባህርያት የሆዋ ንብዘሎ ፍጥረት ክእውጅዎ ከለዉ ኣየዕርፉን ኢዮም።

25. እቶም ህያዋን ፍጡራትን 24 ሽማግለታትን ንየሆዋ ኣብ ምምላኽ ዝሓብሩ ብኸመይ ኢዮም፧

25 ሰማየ ሰማያት ብውዳሰ የሆዋ ይመልእ! ናይ ዮሃንስ መግለጺ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “እቶም እንስሳ [“ህያዋን ፍጡራት:” NW] ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ: ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር: ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ: እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፤ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ: እናበሉ: ነቲ ንዘለኣለመ አለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ አኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ።” (ራእይ 4:9-11) ካብ ኵሉ ቅዱሳት ጽሑፋት: እዚ ሓደ ካብቲ ንኽብሪ የሆዋ ኣምላኽናን ልዑል ጐይታናን ዝቐረበ ዝዓበየ ኣዋጃት ኢዩ።

26. እቶም 24 ሽማግለታት ኣኽሊላቶም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝድርብዩ ስለምንታይ ኢዮም፧

26 እቶም 24 ሽማግለታት ኣኽሊላቶምውን ከይተረፈ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክሳዕ ምድርባይ: ከምቲ ናይ የሱስ ኣረኣእያ ኣለዎም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሶም ምዕባይ ካብ ሓሳቦም ኣዝዩ ዝርሓቐ ኢዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይ ንግስንኦም: ልክዕ ከምቲ የሱስ ወርትግ ዝገብሮ: ንኣምላኽ ግርማ ንምሃብ ከም ዝዀነ ብትሕትና ኣፍልጦ ይህቡ ኢዮም። (ፊልጲ 2:5, 6, 9-11) ብተኣዛዝነት ትሑታት ምዃኖም ኣፍልጦ ይህቡሉ: ግዝኣቶም ከኣ ኣብ ሉዓላውነት የሆዋ እተመርኰሰ ከም ዝዀነ ይእመኑ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ምስቶም ኪሩቤላትን ካልኦት እሙናት ፍጡራትን ኰይኖም: ነቲ ዅሉ ነገር ዝፈጠረ ኣምላኽ ውዳሰን ክብርን ንምሃብ ብልቢ ይሓብሩ።—መዝሙር 150:1-6

27, 28. (ሀ) ናይ ዮሃንስ መግለጺ ብዛዕባ እዚ ትርኢታት እዚ ንዓና ብኸመይ ኢዩ ክትንክፈና ዘለዎ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ዮሃንስ ቀጺሉ ዝርእዮን ዝሰምዖን እንታይ ሕቶታት ይለዓል፧

27 ነቲ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ትርኢት እዚ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣንቢቡ ዘይትንከፍከ መን ኢዩ፧ ድንቅን ግሩምን ኢዩ! እንተዀነ ግን: ብሓቂ ክፍጸም ከሎ ደኣ እንታይ ክመስል ኢዩ፧ ግርማ የሆዋ: ንዝዀነ መማሰዊ ልቢ ዘለዎ ሰብ ምስቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን 24 ሽማግለታትን ኰይኑ ንስሙ ብጸሎትን ብህዝባዊ ምስክርነትን ንምውዳስ ክሓብር ከለዓዕሎ ኣለዎ። እዚ ኣምላኽ እዚ እቲ ሎሚ ክርስትያናት ብዛዕብኡ ክምስክሩ መሰል ረኺቦም ዘለዉ ኢዩ። (ኢሳይያስ 43:10) ናይ ዮሃንስ ራእይ: ነዚ ሎሚ እንነብሮ ዘሎና መዓልቲ ጐይታ ከም ዘመልክት ዘክሮ። እቶም “ሾብዓተ መናፍስቲ” ድማ ክመርሑናን ከበራትዑናን ወርትግ ቅሩባት ኢዮም። (ገላትያ 5:16-18) ሎሚ ንሓደ ቅዱስ ኣምላኽ ንምግልጋል ቅዱሳት ምእንቲ ክንከውን ዝሕግዘና ቃል ኣምላኽ ብቐሊሉ ኢዩ ዝርከብ። (1 ጴጥሮስ 1:14-16) ንቓላት እዚ ትንቢት እዚ ዓው ኢልና ከነንብቦ ብርግጽ ሕጕሳት ኢና። (ራእይ 1:3) እዚ ቓላት እዝስ: ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ከምኡውን ዓለም ንውዳሰኡ ካብ ምዝማር ከይተርሕቐና ኣየ ከመይ ዝበለ ምንቕቓሕ ኢዩ ዝህበና!—1 ዮሃንስ 2:15-17

28 ክሳዕ ሕጂ ዮሃንስ: ኣብ ሰማይ በቲ ኽፉት ደገ ክኣቱ ምስ ተዓደመ ዝርኣዮ ኢዩ ገሊጹ ዘሎ። ካብ ኵሉ ኣዝዩ ዝበለጸ ድማ: የሆዋ ምስ ኵሉ ዕቤት መዓርጉን ክብሩን ኣብቲ ሰማያዊ ዝፋን ምቕማጡ ጸብጻብ የቕርብ። በቶም ካብ ኵለን ማሕበራት ዝሓየሉ: ብብርሃን ትርኢቶምን ተኣማንነቶምን ዘንጸባርቑ ተኸቢቡ ይርከብ። እቲ መለኮታዊ ፍርዲ ኸኣ ይካየድ ኢዩ ዘሎ። (ዳንኤል 7:9, 10, 18) እቲ መድረኽ ከኣ ሓደ ፍሉይ ነገር ንኽፍጸመሉ ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ፍሉይ ነገር እዚ እንታይ ኢዩ: ንዓናኸ ሎሚ ብኸመይ ይትንክፈና፧ እቲ ትርኢት ክግለጽ ከሎ እስከ ንርኣዮ!

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 75፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 78፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]