ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዝጋልቡ ዘለዉ ኣርባዕተ ፈረሰኛታት!

ዝጋልቡ ዘለዉ ኣርባዕተ ፈረሰኛታት!

ምዕራፍ 16

ዝጋልቡ ዘለዉ ኣርባዕተ ፈረሰኛታት!

ትርኢት 3​—ራእይ 6:1-17

ቀንዲ መልእኽቲ:- ምግላብ ናይቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት: እቶም ኣብ ትሕቲ መሰውኢ እተቐትሉ መሰኻኽር: እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓ

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ካብ 1914 ክሳዕ ጥፍኣት ናይዚ ኣገባብ እዚ

1. የሆዋ ንትሕዝቶ ናይቲ የሱስ ዝኸፍቶ ምስጢራዊ ጥቕላል ንዮሃንስ ዝገልጸሉ ብኸመይ ኢዩ፧

 ኣብዚ ናይ ቅልውላው ግዜ እዚ: ኣብቲ “ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ” ነገራት ኣዕሚቝና ኣይንግደስንዶ ኢና፧ ንሕና ንገዛእ ርእስና ኣብኡ እቱዋት ብምዃንና ብርግጽ ንግደስ እባ! ስለዚ እምበኣር የሱስ ነቲ ምስጢራዊ ጥቕላል ክፈትሖ ኸሎ ንዮሃንስ ነሰንዮ። ዮሃንስ ከንብቦ ከም ዘየድልዮ ርዱእ ኢዩ። ስለምንታይ ዘየንበቦ፧ ምኽንያቱ እቲ ትሕዝቶኡ ‘ብምልክታት’ ዝንቀሳቐስ ተግባር ዝመልኦ ትርኢታት ኢዩ ተመሓላሊፉሉ።—ራእይ 1:1, 10

2. (ሀ) ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝርእን ዝሰምዕን: ትርኢት ናይቲ ኪሩቤል እንታይ የመልክት፧ (ለ) ትእዛዝ ናይቲ ቐዳማይ ኪሩቤል ንመን ኢዩ ተመሓላሊፉሉ: ስለምንታይ ከምኡ ትብል፧

2 የሱስ ነቲ ቐዳማይ ማሕተም ናይቲ ጥቕላል ክፈትሖ ኸሎ ዮሃንስ ዝብሎ እስከ ስማዕ:- “እቲ ገንሸል ካብቲ ሾብዓተ ማሕተምሲ ሓደ ምስ ፈትሔ ኸኣ: ርኤኹ: ሓደ [“ካብቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት:” NW] ኸም ደሃይ ነጕዲ ዝበለ . . . ንዓ . . . ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” (ራእይ 6:1) እዚ: ድምጺ ናይቲ ቐዳማይ ኪሩቤል ኢዩ። እቲ ንኣንበሳ ዝመስል ትርኢቱ: ማሕበር የሆዋ ነቲ ጽድቃዊ ፍርዲ ክትፍጽም ከላ ብትብዓት ክትገብሮ ምዃና ንዮሃንስ ኣብርሃሉ። እቲ ትእዛዝከ ናብ መን ኢዩ እተመሓላለፈ፧ ናብ ዮሃንስ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ከመይሲ ዮሃንስ ኣብቲ ትንቢታዊ ትርኢት ክካፈል ድሮ ተዓዲሙ ኢዩ። (ራእይ 4:1) እቲ “ኸም ድሃይ ነጕዲ ዝበለ ድምጺ”: ኣብቲ ቐዳማይ ናይቲ ኣርባዕተ ተኸታታሊ ዘነቓቕሕ ሓጸርቲ ፍጻመታት: ካልኦት ተኻፈልቲ ኢዩ ዝዕድም።

ኣምበላይ ፈረስን እቲ ክቡር ፈረሰኝኡን

3. (ሀ) ሕጂ ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧ (ለ) ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምልክታት ብምስምማዕ: ኣምበላይ ፈረስ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

3 ዮሃንስ ከምኡውን እቶም ሎሚ ዘለዉ ህርኩታት ክፍሊ ዮሃንስን ብጾቶምን ዘደንቕ ትርኢታት ዝመልኦ ተዋስኦ ክርእዩ መሰል ረኺቦም ኢዮም! ዮሃንስ ከምዚ ይብል:- “ርኤኹውን እንሆ: ኣምበላይ ፈረስ: እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ አለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ: እናሰዐረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ።” (ራእይ 6:2) እወ: ነቲ “ንዓ” ዝብል ዘንጐድጕድ ጻውዒት ሰሚዑ ሓደ ኣምበላይ ፈረስ ይመጽእ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፈረስ መብዛሕትኡ ግዜ ውግእ ኢዩ ዘመልክት። (መዝሙር 20:7፣ ምሳሌ 21:31፣ ኢሳይያስ 31:1) እቲ ፈረስ ድማ: ምናልባት ኣርሓ ፈረስ ክኸውን ይኽእል: ዘንጸባርቕ ጻዕዳ ብምንባሩ ኣበር ዘይብሉ ቅድስና የመልክት። (ምስ ራእይ 1:14፣ 4:4፣ 7:9፣ 20:11 ኣረኣእዮ።) እዝስ ኣየ ክንደይ ዝግባእ ኢዩ: ከመይሲ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት ኣዒንቲ የሆዋ ንጹህን ጻድቕን ውግእ ኢዩ ዘመልክት!—ራእይ 19:11, 14 እውን ተመልከት።

4. ፈረሰኛ ናይቲ ኣምበላይ ፈረስ መን ኢዩ፧ ግለጾ።

4 ፈረሰኛ ናይዚ ፈረስ እዚኸ መን ኢዩ፧ ሓደ ካብቲ ኣጽዋር ውግእ ዝዀነ ዘጥቅዕ ቀስቲ ኣለዎ: እንተዀነ ግን ኣኽሊልውን ተዋሂብዎ ኢዩ። እቶም ብመዓልቲ ጐይታ ኣኽሊል ደፊኦም ዝረኣዩ ጻድቃን: የሱስን እቶም በቶም 24 ሽማግለታት ተመሲሎም ዘለዉ ኽፍልን ጥራይ ኢዮም። (ዳንኤል 7:13, 14, 27፣ ሉቃስ 1:31-33፣ ራእይ 4:4, 10፣ 14:14) a ሓደ ኣባል ካብቲ ጕጅለ ናይቶም 24 ሽማግለታት ብናይ ገዛእ ርእሱ ጽድቂ ነቲ ኣኽሊል እናተቐበለ ክርአ ዘይመስል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር እዚ በይኑ ዘሎ ፈረሰኛ እዚ: የሱስ ክርስቶስ ድኣምበር: ዋላ ሓደ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ዮሃንስ ኣብታ ታሪኻዊት ዓመት ናይ 1914 የሆዋ ‘ኣህዛብ ንርስቱ ምእንቲ ክህቦ’ ኢሉ “ኣነ: . . . ንጉሰይ ሸምኩ” ኢሉ ክእውጅ ከሎ ኣብ ሰማይ ይርእዮ። (መዝሙር 2:6-8) b የሱስ ነቲ ቐዳማይ ማሕተም ክፈትሖ ከሎ: ከም ኣኽሊል ዝደፍአ ሓድሽ ንጉስ መጠን በቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ከመይ ገይሩ ንውግእ ከም ዝህንደድ ይገልጽ።

5. እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ፈረሰኛ ከምቲ ኣብ ራእይ 6:2 ዘሎ ዝመሳሰል ገይሩ ዝገለጾ ብኸመይ ኢዩ፧

5 እዚ ትርኢት እዚ ምስቲ የሆዋ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ክዛረቦ ኸሎ ኣብ መዝሙር 45:4-7 “ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን ብግርማኻ ውጻእ: የማነይቲ ኢድካውን ዜፍርህ ነገር ክትምህረካ እያ። ፍላጻታትካ በላሕቲ እየን: ኣብ ልቢ ጸላእቲ ንጉስ ይአትዋ። ህዝብታት ኣብ ትሕቴኻ ይወድቁ። ዎ ኣምላኽ: ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም [“ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ዝፋንካ:” NW] እዩ። ዘንጊ መንግስትኻውን ዘንጊ ቕንዕና እያ። ጽድቂ ትፈቱ ረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ” ዝብል ጥቕሲ ጽቡቕ ገይሩ ይሰማማዕ ኢዩ። ዮሃንስ ምስ እዚ ትንቢታዊ መግለጺ እዚ ሌላ ስለ ዝነበሮ ነቲ ንጉሳዊ ተግባራት ናይ የሱስ ንምግላጽ ዝውዕል ምዃኑ ተገንዚብዎ ኢዩ።—ምስ እብራውያን 1:1, 2, 8, 9 ኣረኣእዮ።

እናሰዓረ ወጸ

6. (ሀ) እቲ ፈረሰኛ እናሰዓረ ክወጽእ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣበየኖት ዓመታት ኢዩ እቲ ናይ ስዕረት ምግላብ ዝቕጽል፧

6 እቲ ሓድሽ ንጉስ ናብ ውግእ ክጋልብ ዘድለዮ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ካብቲ ቀንዲ ተጻራሪ ናይ የሆዋ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ከምኡውን ካብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንዕላማ ሰይጣን ዘገልግሉ ሰባትን መሪር ተቓውሞ እናተጋጠሞ ኢዩ ነጊሱ። ምውላድ ናይታ መንግስቲ ንርእሱ ኣብ ሰማይ ዓቢ ውግእ ኣምጽአ። የሱስ ሚካኤል (ትርጕሙ “መን ኢዩ ከም ኣምላኽ፧”) ዝብል ስም ሒዙ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ስዒሩ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮም። (ራእይ 12:7-12) እቲ ናይ የሱስ ናይ ስዕረት ምግላብ ኣብ መጀመርታ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ መዓልቲ ጐይታ እቶም ኣባጊዕ መሰል ሰባት ክእከቡ ከለዉ ቀጺሉ ኢዩ። ብዘላ ዓለም ገና “በቲ እኩይ ተትሒዛ” እኳ እንተ ሃለወት: የሱስ ግን ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱን ብጾቶምን ብፍቕሪ እናጓሰየ ንነፍሲ ወከፎም እሙናት ኰይኖም ምእንቲ ክስዕሩ ይድግፎም ኣሎ።—1 ዮሃንስ 5:19

7. የሱስ ኣብተን ቀዳሞት ዓሰርተታት ዓመታት ናይ መዓልቲ ጐይታ ኣብ ምድሪ እንታይ ስዕረት ኢዩ ዝገበረ: ውሳነናኸ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝግብኦ፧

7 የሱስ ኣብዚ ካብ 90 ዓመታት ንላዕሊ ኰይኑ ዘሎ መዓልቲ ጐይታ እንታይ ካልእ ስዕረታት ኢዩ ዝሰዓረ፧ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ መረጋገጺ ክህብ ከሎ ዘጋጠሞ ገሊጽዎ ዘሎ ዝመሳሰል: ህዝቢ የሆዋ ብውልቀ-ሰብ ከምኡውን ብጉባኤ ደረጃ ብዙሕ ጸገማትን ጸቕጥታትን መስጐግትን ኣሕሊፎም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 11:23-28) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕልፊ ኣብ ግዜ ውግእን ዓመጻን ምእንቲ ክጽመሙ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኣድልይዎም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) እንተዀነ ግን: ኣብቲ ኣዝዩ ፈታኒ ዝዀነ ኵነታትውን ከይተረፈ እሙናት መሰኻኽር ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ: ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና: ጐይታ ቘመለይ: ኣበርታዓኒ” ዝበሎ ንምባል በቒዖም ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 4:17) እወ: የሱስ ኣብ ክንድኦም ስዒሩ ኢዩ። ንሕና ኸኣ ነቲ ናትና ናይ እምነት ምስዓር ክንምልኦ ጥራይ ንወስን እምበር: ኣብ ክንዳናውን እናሰዓረ ክወጽእ ኢዩ።—1 ዮሃንስ 5:4

8, 9. (ሀ) እታ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከመይ ዝበለ ስዕረታት ኢያ እተኻፈለት፧ (ለ) ዕቤት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ብሉጽ ዝነበረ ኣበይ ኢዩ፧

8 እዛ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመሪሕነት ናይቲ ሰዓሪ ንጉስ ኣብ ብዙሕ ስዕረታት ተኻፊላ ኢያ። ልዕሊ ዅሉ ክጥቀስ ዝከኣል: እዞም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣቶም ብ1918 ብናይ ሰይጣን ፖሊቲካዊ ማሕበር ንግዜኡ “ተሳዒሮም” ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ንሱ ካብ ምጽናት ተኸላኺሉሎም ኢዩ። ብ1919 ካብ መቝሕ ቤት ማእሰርቲ ሓራ ኣውጺኡ ነቲ ብስራት “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ክእውጁ ኣበራበሮም።—ራእይ 13:7፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8

9 ቅድሚ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኰነ ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ ኵሉ እቲ መራሕቲ ሃይማኖት: ብሕልፊ እኳ ናይ ሮማዊት ካቶሊክ መራሕቲ ኣካል: ብግህዶ ወይ ብስዉር ደገፎም ዝህብሉ ዝነበሩ ቦታታት እቶም ውልቀ-መለኽቲ ናይተን ብጀርመንን ኢጣልያን ጃፓንን ዝቘማ ሽርካ ሓይልታት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጸራሪጎም ከጥፍእዎም ፈቲኖም ኢዮም። ካብ 10,000 ዝበዝሑ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን መዳጐኒ ደምበታትን ንብዙሕ ዓመታት እኳ እንተ ተኣስሩ: ዳርጋ 2,000 እውን እንተ ተቐትሉስ: እቶም ብ1939 እቲ ውግእ ክጅመር ከሎ ቍጽሮም 71,509 ዝነበሩ መሰኻኽር: እቲ ውግእ ብ1945 ክውዳእ ከሎ ቍጽሮም 141,606 ኰነ። ሎሚ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ንጡፋት መሰኻኽር ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን በጺሑ ኣሎ። ዝበለጸ ዕቤት እተራእየ ኸኣ ኣብተን ናይ ካቶሊክ ሃገራት ከምኡውን ኣብተን ከም እኒ ጀርመንን ኢጣልያን ጃፓንን ዝኣመሰላ ዝመረረ መስጐግቲ ዝነበረን ሃገራት ኢዩ: ሎሚ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጠቕላላ ልዕሊ 600,000 ጸብጻብ ናይ ንጡፋት ኣገልግልቲ ይህቡ ኣለዉ።—ኢሳይያስ 54:17፣ ኤርምያስ 1:17-19

10. እቲ ዝስዕር ንጉስ ብኸመይ ዝበለ ዓወታት ኢዩ ንህዝቡ ኣብቲ ‘ናይ ወንጌል ምምጽራይን [“ብሕጋዊ መገዲ:” NW] ምጽናዕን’ ተግባር ዝባረኾም፧

10 እዚ ዝስዕር ንጉስና: ነቶም ኣብ ቤት ፍርድን ኣብ ቅድሚ ገዛእትን ምእንቲ ‘ናይ ወንጌል ምምጽራይን [“ብሕጋዊ መገዲ:” NW] ምጽናዕን’ ዝቐርቡ ቀናኣት ህዝቡ ናብ ብዙሕ ዓወታት ብምምራሕ እውን ባሪኽዎም ኢዩ። (ፊልጲ 1:7፣ ማቴዎስ 10:18፣ 24:9) እዚ ኸኣ ብዓለምለኸ ደረጃ—ኣብ ኣውስትራልያ: ኣርጀንቲና: ካናዳ: ግሪኽ: ህንዲ: ስዋዚላንድ: ስዊዘርላንድ: ቱርኪ: ከምኡውን ካልኦት ሃገራት—ኢዩ ተፈጺሙ። ኣብ መንጎ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝረኸብዎም 50 ንሕጋውነት ዝምልከቱ ዓወታት: እቶም “ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ” ብስራት ናይ ምእዋጅ ከምኡውን ካብ ጣኦታዊ ዝዀነ ናይ ሓርበኛታት በዓል ናጻ ናይ ምዃን መሰል ዝህቡ ይርከብዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 20:20፣ 1 ቈረንቶስ 10:14) በዚ ኸኣ ሓደ እናዓበየ ዝኸይድ ዓለምለኻዊ ናይ ምስክርነት መገዲ ተኸፍተ።

11. (ሀ) እቲ ፈረሰኛ ‘ዝስዕር’ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ምፍታሕ ናይቲ ካልኣይ: ሳልሳይ: ከምኡውን ራብዓይ ማሕተም ኣባና እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል፧

11 የሱስ ‘ዝስዕር:’ ብኸመይ ኢዩ፧ c ቀጺልና ከም እንርእዮ: ነዚ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብምጥፋእ: ሉዓላውነት ናይ የሆዋ ንምርግጋጽ ከኣ ንዝዀነ ይኹን ዝተረፈ ክፍሊ ናይታ እትርኤ ማሕበር ሰይጣን ኣብቲ ንጥፍኣት ዘመልክት “ቀላይ ሓዊ” ብምድርባይ ክገብሮ ኢዩ። ኣብ መዓልቲ ኣርማጌዶን እቲ “ንጉሰ ነገስት” ኣብ ልዕሊ እዘን ጨቆንቲ ናይ ሰይጣን ፖለቲካውያን ማሕበራት ናይ መጨረሽታ ዓወት ክረክብ ከሎ ክንርእዮ ብተኣማንነት ኢና እንጽበ! (ራእይ 16:16፣ 17:14፣ 19:2, 14-21፣ ህዝቅኤል 25:17) ክሳዕ ሽዑ እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዘይስነፍ ሰዓሪ: የሆዋ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ናብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ጻድቕ ህዝቡ ክውስኽ ከሎ: ምግላቡ ኽቕጽል ኢዩ። (ኢሳይያስ 26:2፣ 60:22) ኣብዚ ዘሐጕስ ምስፋሕ ናይታ መንግስቲ ምስ እዞም ክፍሊ ዮሃንስ ዝዀኑ ቅቡኣት እጃምካ ተበርክትዶ ኣሎኻ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ነተን ሰለስተ ማሕተም ክፍትሓ ኸለዋ ቀጺሉ ዝርእዮ ነገራት ብዝያዳ ኣብቲ ነዚ ግዜና ዝኸውን ዕዮ የሆዋ ንኽትዓዪ ክድርኸካ ኢዩ።

ነቲ ሓመር ፈረስ ርኣዮ!

12. የሱስ ከም ንጉስ ኰይኑ ብዘይርአ ምምጽኡ ብምንታይ ከም ዝፍለጥ ኢዩ እተዛረበ፧

12 ኣብ ጥቓ መወዳእታ ናይ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎት: ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም “ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ [“መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝንከ:” NW] እንታይ ኢዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ክምልሰሎም ከሎ ኸኣ: ናይ “መጀመርታ ቅልውላው” መዓት ክህሉ ከም ዝዀነ ብትንቢት ነገሮም። የሱስ ከምዚ በለ:- “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን: ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:3, 7, 8፣ ሉቃስ 21:10, 11) እቲ ዮሃንስ ነቲ ዝተረፈ ማሕተም ናይቲ ጥቕላል ክፍታሕ ከሎ ዝርእዮ ነገራትውን: ነዚ ትንቢት እዚ ዝመሳሰል ሓሳባት ኢዩ ዝህበና። ሕጂ እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ክፈትሖ ከሎ ተዓዘብ!

13. ንዮሃንስ ክግለጸሉ ቀሪቡ ዘሎ እንታይ ምንጽጻር ኢዩ፧

13 “ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ: እቲ ኻልኣይ እንስሳ [“ህያው ፍጡር” NW]: ንዓ . . . ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” (ራእይ 6:3) እቲ ነዚ ትእዝዝ እዚ ዝሃበ: እቲ ዝራብዕ ዝመስል ካልኣይ ኪሩቤል ኢዩ እቲ ኣብዚ ተመሲሉ ዘሎ ባህሪ ሓይሊ ኢዩ: እዚ ግና እቲ ብጽድቂ ዝዝውተር ሓይሊ ኢዩ። ኣንጻር ናይዚ ግን እቲ ሕጂ ዮሃንስ ዝርእዮ ዘሰንብድ: ሞት ዘስዕብ መግለጺ ናይ ሓይሊ ኢዩ።

14. ዮሃንስ ቀጺሉ ከመይ ዝበለ ፈረስን ፈረሰኛን ኢዩ ዝርኢ: እዚ ትርኢት እዚኸ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

14 እዚ “ንዓ” ዝብል ካልኣይ መጸዋዕታኸ ብኸመይ መልሲ ረኸበ፧ ከምዚ ይብል:- “ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ: ነቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ: ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ: ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ: ዓብዪ ሰይፊውን ተዋህቦ።” (ራእይ 6:4) ብሓቂ ዘሕዝን ትርኢት! እዚ ኸኣ ብዘይ ጥርጥር ንውግእ ዘመልክት ኢዩ! እዚ በቲ የሆዋ ዝሸሞ ዝስዕር ንጉስ ዝግበር ጻድቕን ዕዉትን ውግእ ዘይኰነስ: ዘየድሊ ምፍሳስ ደምን ስቓይን ዘለዎ ጭከና ዝመልኦ: ብደቅሰብ ዝለዓል ኣህጉራዊ ውግእ ኢዩ። እዚ ፈረሰኛ እዚ ኣብ ሓመር ፈረስ ክቕመጥሲ ብሓቂ ምስቲ ተግባር ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ!

15. ኣብቲ ምግላብ ናይቲ ካልኣይ ፈረሰኛ ግደ ክህልወና ዘይንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

15 ብርግጽ ዮሃንስ ምስዚ ፈረሰኛ እዝን ምስቲ ዘይዕገት ምግላቡን ግደ ክህልዎ ኣይደልን ኢዩ: ምኽንያቱ ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ “ውግእ ኣይኪማሀሩን እዮም” ዝብል ትንቢት ነይሩ ኢዩ። (ኢሳይያስ 2:4) “ኣብ ዓለም” እኳ ክነሶምሲ: ዮሃንስ ኰነ እቶም ክፍሊ ዮሃንስን ዓቢ ጭፍራን ካብዚ ብደም ዝጠልቀየ ኣገባብ “ኣይኰኑን።” ኣጽዋርና ካብ ስጋዊ ውግእ እተፈልየ: መንፈሳዊ ከምኡውን “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ” ብህርኩት መንፈስ ቃል ሓቂ ንምእዋጅ “ብርቱዕ እዩ”።—ዮሃንስ 17:11, 14፣ 2 ቈረንቶስ 10:3, 4

16. እቲ ኣብ ሓመር ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ “ዓብዪ ሰይፊ” እተዋህቦ ብኸመይን መዓስን ኢዩ፧

16 ቅድሚ 1914: እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ ኣኽሊል እተቐበለሉ ዓመት: ብዙሕ ውግኣት ነይሩ ኢዩ። ሕጂ ግና ነቲ ኣብ ሓመር ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ፈረሰኛ “ዓብዪ ሰይፊ” ኢዩ ተዋሂብዎ። እዚኸ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ተባርዐ: ናይ ደቅሰብ ውግእ ቅድሚ ሽዑ ኰይኑ ዘይፈልጥ ብዝያዳ ደም ዘፍስስን ዕንወት ዘኸትልን ውግእ ኰነ። ኣብቲ ካብ 1914-18 ዝነበረ ብርቱዕ ምፍሳስ ደም: ኣብ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ወይ ቅድሚ ሽዑ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን: ታንክታት: መርዛም ጋዝ: ነፈርቲ: መራኽብ ውሽጢ ባሕሪ: ዓበይቲ መዳፍዕ: ከምኡውን ኣውቶማቲክ ኣጽዋር ኣብ ግብሪ ወዓለ። ኣብ 28 ዝዀና ሃገራት: ወተሃደራት ጥራይ ዘይኰነስ: ምሉእ ህዝቢ እውን ኣብቲ ውግእ ከም ዝካፈሉ ኰይኖም ኢዮም። ዝነበረ ሓደጋታት ከኣ ኣዝዩ ዘርዕድ ኢዩ ነይሩ። ካብ ትሸዓተ ሚልዮን ዝበዝሑ ወተሃደራት ኣብቲ ውግእ ተሓርዱ: ኣብ ሲቭል ዝወረደ ሓደጋታት ከኣ ክጽብጸብ ዘይከኣል ኢዩ። ድሕሪ እቲ ውግእውን እንተዀነ: ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ሰላም ከቶ ኣይተመልሰትን። 50 ዓመት ድሕሪ እቲ ውግእ ከኣ እቲ ናይ ጀርመን ፖለቲከኛ ኮናርድ ኣደናወር ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ሃበ:- “ካብ 1914 ኣትሒዙ ድሕንነትን ህድኣትን ካብ ህይወት ደቅሰብ ጠፊአን ኢየን።” ነቲ ኣብ ሓመር ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ ሰላም ካብ ምድሪ ክወስዳ ብሓቂ ተዋሂብዎ ኢዩ!

17. እቲ “ዓብዪ ሰይፊ” ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለምውን ምቕንጻል ዝቐጸለ ብኸመይ ኢዩ፧

17 ድሕሪ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሓመር ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ ናይ ደም ጽምኡ ብምውሳኽ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣተወ። እቲ ንማሕረዲ ዝኸውን ኣጽዋር ድማ ዝያዳ እናኸፍአ ከደ: እቲ ዝጠፍአ ህይወት ድማ ካብቲ ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣርባዕተ ዕጽፊ ብምዃን ሰማይ ተወንጨፈ። ብ1945 ድማ ኣብ ጃፓን ክልተ ኣቶሚክ ቦምብ ተተኰሰ: ነፍሲ ወከፉ ኸኣ ብቕጽበት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣጽነተ። እቲ ኣብ ሓመር ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም 55 ሚልዮን ነፍሳት ዓጺዱ ኢዩ: በዚውን እንተዀነ ገና ኣይዓገበን። እሙናት ምንጭታት ከም ዝገልጽዎ ድማ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ልዕሊ 20 ሚልዮን ነፍሳት በቲ “ዓብዪ ሰይፊ” ተመንኪሎም ኢዮም።

18, 19. (ሀ) እቲ ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ እተፈጸመ ማሕረዲ ናይ ወትሃደራዊ ቴክኖሎጂ ዓወት ዘይኰነስ ናይ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋ እንታይ ኢዩ: እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ፈረሰኛኸ ነዚ ሓደጋ እዚ ከርሕቖ እንታይ ክገብር ኢዩ፧

18 ነዝስ ናይ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ ዓወት ኢዩ ኢልና ክንጽውዖ ንኽእልዶ፧ ኣብ ክንድኡስ እዚ: እቲ ኣብ ሓመር ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዘይምሕር ፈረሰኛ ይጋልብ ከም ዘሎ ዘመልክት ድኣ ኢዩ። እቲ ምግላብከ ኣበይ ኢዩ ዝውድእ፧ ገሊኦም ሊቃውንቲ: እተመደበ ኑክሌራዊ ባርዕ ገዲፍካ: ብድንገት ኑክሌራዊ ውግእ ክፍጸም ከም ዝኽእል ይዛረቡ! ዘሐጕስ ግን እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ ብዛዕባ እዚ ካልእ ዕላማ ኢዩ ዘለዎ።

19 ማሕበረሰብ ኣብ ሃገራዊ ኵርዓትን ጽልእን ክሳዕ እተመስረተ: ደቅሰብ ኣብ ውሽጢ ኑክሌራዊ ሓደጋ ምንባር ክቕጽሉ ግድን ኢዩ። ሃገራት ነዚ ሓደጋ እዚ ፈሪሆም ንዅሉ ኑክሌራዊ ኣጽዋር እንተ ጉሓፍዎ እኳ እቲ ናይ ምስራሕ ክእለት ግን ኣጥሪዮሞ ኢዮም። ብሓጺር ትእዛዝ ከኣ: ነቲ ቀታሊ ዝዀነ ኑክሌራዊ ኣጽዋር እንደገና ክሰርሕዎ ይኽእሉ ኢዮም፣ ስለዚ: ዝዀነ ይኹን በቲ ተራ ኣጽዋር ዝካየድ ውግእ ቀልጢፉ ናብ ህልቂት ክልወጥ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ፈረሰኛ: ነቲ ዕቡድ ኣጋልባ ናይቲ ሓመር ፈረስ ጠጠው እንተ ዘየቢልዎ: እዚ ንሃገራት ኣጎልቢብወን ዘሎ ኵርዓትን ጽልእን: ኣብ ናይ ሰባት ርእሰ- ቅትለት ዝመርሕ ኢዩ። ክርስቶስ እቲ ንጉስ: ኣብ ልዕሊ እዛ ብሰይጣን እትግዛእ ዓለም ስዕረቱ ክፍጽም ከምኡውን ኣብ ፍቕሪ—ፍቕሪ ንኣምላኽን ብጻይን—እተመስረተ ምድራዊ ማሕበረሰብ ንምትካል ክጋልብ ምዃኑ ንተኣማመን፣ እዚ ፍቕሪ እዚ ኸኣ ካብቲ ነዚ ዕቡድ እዋን እዚ ክገትእ ዝበሃል ዘሎ ዘፍርሕ ኑክሌር ኣጸቢቑ ዝበለጸ ኢዩ።—መዝሙር 37:9-11፣ ማርቆስ 12:29-31፣ ራእይ 21:1-5

እንሆ መጋል ፈረስ ይመጽእ

20. እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ ንዝዀነ ናይ መዓት ኵነታት ክዋጽኣሉ ከም ዝዀነ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎና፧

20 ሕጂ ኸኣ የሱስ ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ይፈትሖ! ዮሃንስ: እንታይ ትርኢ ኣሎኻ፧ “ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ: እቲ ሳልሳይ እንስሳ [“ህያው ፍጡር:” NW]: ንዓ . . . ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” (ራእይ 6:5ሀ) ዘሐጕስ ከኣ እዚ ሳልሳይ ኪሩቤል ንፍቕሪ ዘመልክት “ከም ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ” ኣለዎ። ኣብ ሕጊ እተመስረተ ፍቕሪ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክመልእ ኢዩ: ሎሚውን ከይተረፈ እዛ ሰናይ ዝዀነት ባህሪ እዚኣ ኣብ ማሕበር የሆዋ ኣስፋሕፊሓ ኢያ ዘላ። (ራእይ 4:7፣ 1 ዮሃንስ 4:16) እምበኣርከስ: እቲ “[“ኣምላኽ:” NW] ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብሮም ኪነግስ” ዘለዎ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተቐመጠ ፈረሰኛ: ነቲ ቀጺሉ ዮሃንስ ዝረኣዮ ናይ መዓት ኵነታት ብፍቕሪ ከልግሶ ከም ዝዀነ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 15:25

21. (ሀ) እቲ መጋል ፈረስን ፈረሰኝኡን እንታይ የመልክቱ፧ (ለ) እቲ መጋል ፈረስ ገና ኣብ ምዕግርጋር ከም ዘሎ እንታይ የረጋግጸልና፧

21 እቲ “ንዓ” ዝብል ሳልሳይ ጻውዒት መልሲ ምስ ረኸበ: ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝርኢ፧ “ርኤኹውን እንሆ: መጋል ፈረስ: እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ።” (ራእይ 6:5ለ) ብርቱዕ ጥሜት! እዚ እቲ ዘስካሕክሕ መልእኽቲ ናይዚ ትንቢታዊ ትርኢት እዚ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መጀመርታ ናይ መዓልቲ ጐይታ መግቢ ብመቝነን መዚንካ ክዕደል ከሎ ዝህሉ ኵነታት ከም ዝዀነ ኢዩ ዝነግር። ካብ 1914 ኣትሒዙ: ጥሜት ቀጻሊ ዓለምለኻዊ ሽግር ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። እዚ ዘመናዊ ውግእ ንጥሜት ኣበራቢርዎ ኢዩ: ምኽንያቱ እቲ ንዝጠመዩ መዐንገሊ ክኸውን ዝነበሮ ሃብቲ ብዙሕ ግዜ ኣጽዋር ውግእ ንምቕራብ ስለ ዝጥቀሙሉ ኢዩ። ሓረስቶት ብግዲ ኣብ ውትህድርና ይኽተቡ: ብውግእ እተበላሸወ ግርሁን መሬት ናይ ምሕራር ፖሊስን ከኣ እቶት ናይ መግቢ ከም ዝንኪ ይገብር። እዝስ ኣብቲ ሚልዮናት ብጥሜት እተሳቐይሉን ዝሞቱሉን እዋን ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ ነይሩ! ይኹን እምበር: ውግእ ምስ ተወድአ: እቲ ኣብ መጋል ፈረስ እተቐመጠ ናይ ጥሜት ፈረሰኛ ጋልቢቱ ኣይዘሓለን። ኣብ 1930ታት ኣብ ዩክረይን ኣብ ሓደ እዋን ጥሜት ጥራይ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ሃሊቖም። ካልእይ ውግእ ዓለም ዝያዳ ዋሕዲ መግብን ጥሜትን ኣበራበረ። እቲ ኣብ መጋል ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ፈረሰኛ ምግላቡ እናቐጸለ ከሎ: እቲ ዓለማዊ ናይ መግቢ ቤት ምኽሪ ኣብ መፋርቕ ናይ 1987: ብጥሜት ዝስሓጉ 512 ሚልዮን ሰባት ከም ዘለዉን መዓልቲ-መዓልቲ ኸኣ 40,000 ሕጻናት ምስ ዋሕዲ መግቢ ብእተተሓሓዘ ምኽንያታት ከም ዝሞቱ ኣፍለጠት።

22. (ሀ) ሓደ ድምጺኸ እንታይ ኢዩ ዝብል: እንታይ ከም ዝደሊኸ የመልክት፧ (ለ) ዋጋ ናይ ሓደ ኮይኒክስ ስርናይን ናይ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገምንከ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

22 ዮሃንስ ካልእ ዝነግረናውን ኣለዎ:- “ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ [“ህያዋን ፍጡራት:” NW] ድማ ከም ድምጺ ዝበለ: ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር: ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር: ዘይትን ወይንን ኣይትጕዳእ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” (ራእይ 6:6) ልክዕ ከምቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ቅድሚ ምድምሳሳ ሰባት “ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን” ክበልዕዎ ዝነበሮም: ኣርባዕቲኦም ኪሩቤላት ከኣ እቲ ናይ መግቢ ቀረብ ብጥንቃቐ ክትሓዝ ከም ዘለዎ ንምግላጽ ሓበሩ። (ህዝቅኤል 4:16) ብግዜ ዮሃንስ ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ዕለታዊ መቝነን ናይ ሓደ ወተሃደር ኢዩ ነይሩ። እቲ መቝነን እቲኸ ዋግኡ ክንደይ ኢዩ፧ ሓደ ዲናር—እዚ ኸኣ ውዕለት ናይ ሓደ ሰራሕተኛ ኢዩ ነይሩ! (ማቴዎስ 20:2) d ሓደ ሰብ ስድራ ዘለውዎ እንተዀነኸ፧ በቲ ዋጋ እቲ ገይሩ ዘይተዃእኵኤ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ክዕድግ ይኽእል። እዚውን እንተዀነ ንንእሽቶ ስድራቤት ጥራይ ኢዩ ዝምግብ። ስገም ድማ ከም ስርናይ ጽቡቕ እኽሊ ገይርካ ኣይውሰድን ኢዩ ነይሩ።

23. እቲ “ዘይትን ወይንን ኣይትጕዳእ” ዝብል ቃላት እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

23 እቲ “ዘይትን ወይንን ኣይትጕዳእ” ዝብል ሓሳባት እንታይ ዘመልክት ኢዩ፧ ገሊኦም ነዘን ቃላት እዚኣተን ክትርጕምወን ከለዉ: ብዙሓት ሰባት ብዋሕዲ መግቢ: አረ ብጥሜት ክስሓጉ ከለዉ: እቲ ናይ ሃብታማት ምቾት ግን ጕድኣት ከም ዘይረኽቦ ገይሮም ይርድእዎ ነይሮም። ይኹን እምበር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ: ዘይትን ወይንን ናይ ምቾት ኣይኰነን። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እንጌራን ዘይትን ወይንን ከም ቀንዲ መግቢ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። (ምስ ዘፍጥረት 14:18፣ መዝሙር 104:14, 15 ኣረኣእዮ።) ማይ ኵሉ ግዜ ጥዑይ ስለ ዘይነበረ: ንምስታይን ንሕክምናን ወይኒ ብብዝሒ ይዝውተር ነበረ። (1 ጢሞቴዎስ 5:23) ዘይቲ ብዝምልከት ከኣ: እታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ድኻ እኳ እንተነበረት ነተን ተሪፈንኣ ዝነበራ ሒደት ሓርጭ መሰንከቲ ዝዀንኣ ገለ ቁሩብ ዘይትስ ነይረንኣ ኢየን። (1 ነገስት 17:12) ስለዚ: እቲ “ዘይትን ወይንን ኣይትጕዳእ” ዝብል ትእዛዝ: ነዚ ቀንዲ መግቢ እዚ ቀልጢፍካ ከይትውድኦ: ቈጢብካ ኣዘውትሮ ዝብል ምኽሪ ዝሓዘ ኢዩ። እንተዘይኰነ ‘ክጕዳእ’ ኢዩ: እዚ ኸኣ እቲ ጥሜት ከይሓለፈ ክውዳእ ማለት ኢዩ።

24. እቲ መጋል ፈረስ ንነዊሕ ግዜ ጋልቢቱ ዘይቅጽል ስለምንታይ ኢዩ፧

24 እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ፈረሰኛ ነቲ መጋል ፈረስ ቀልጢፉ ደው ከብሎ ስለ ዝዀነስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ክንሕጐስ እንኽእል! ብዛዕባ እቲ ንሓዳስ ዓለም ዘለዎ ፍቕራዊ ምድላው ከምዚ ተጻሒፉ ኣሎ:- “ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [ኢዩ]።”—መዝሙር 72:7, 16፣ ኢሳይያስ 25:6-8 እውን ተመልከት።

እቲ ቡላ ፈረስን ፈረሰኝኡን

25. የሱስ ነቲ ራብዓይ ማሕተም ክፈትሖ ከሎ: ዮሃንስ ናይ መን ድምጺ ኢዩ ዝሰምዕ: እዚኸ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

25 እቲ ዛንታ ገና ኣይተወድኤን። የሱስ ነቲ ራብዓይ ማሕተም ይፈትሖ: ዮሃንስ ከኣ እንታይ ከም ዝረኣየ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ: ድምጺ እቲ ራብዓይ እንስሳ [“ህያው ፍጡር:” NW]ንዓ . . . ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።” (ራእይ 6:7) እዚ ኸኣ ድምጺ ናይቲ ዝነፍር ንስሪ ዝመስል ራብዓይ ኪሩቤል ኢዩ። እዚ ኸኣ ናይ ኣርሒቕካ ምርኣይ ጥበብ ኢዩ ዘመልክት: ብሓቂ ድማ ዮሃንስን እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ዝዀኑን ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ተገሊጹ ዘሎ ነገራት ብምስትውዓል ተዓዚቦም ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ኣድልይዎም ኢዩ። ከምኡ ምስ እንገብር ድማ ካብቲ ነዚ ሎሚ ብጥበብ ዓለም ዝምራሕ ዕቡይን ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ዝገብርን ወለዶ ዝወርዶ መግደራ ብመጠኑ ዕቝባ ክንረክብ ኢና።—1 ቈረንቶስ 1:20, 21

26. (ሀ) እቲ ራብዓይ ፈረሰኛ መን ኢዩ: ሕብሪ ናይ ፈረሱ ምስቲ ግብሩ ዝሰማማዕከ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ነቲ ራብዓይ ፈረሰኛ ዝስዕቦ መን ኢዩ: ነቶም ግዳዩኸ እንታይ ኢዩ ዝረኽቦም፧

26 እቲ ራብዓይ ፈረሰኛ ነቲ ጻውዒት ምስ መለሰሉኸ ከመይ ዝበለ ሓድሽ ራዕዲ ኢዩ ዝፍኖ፧ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ የዘንትወልና:- “ርኤኹውን እንሆ: ቡላ ፈረስ: ስም እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎውን ሞት እዩ: ሲኦል ከኣ ይስዕቦ።” (ራእይ 6:8ሀ) ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፈረስ ተወጢሑ ዝነበረ ስም ኣለዎ: እዚ ኸኣ ሞት ኢዩ። ካብቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ናይ ራእይ መንነቱ ትኽ ኣቢሉ ዝነገረ ንሱ ጥራይ ኢዩ። ሞት ኣብ ቡላ ፈረስ ተቐሚጡ ክበሃልሲ ብሓቂ ዝሰማማዕ ኢዩ: ከመይሲ እታ ቡላ (ግሪኽ: ክህሎ·ሮስ΄) እትብል ቃል ኣብ ናይ ግሪኽ ስነ-ጽሑፍ ብሕማም ንዝፋሕሸወ ገጽ ኪገልጹ ኢዮም ዝጥቀሙላ። ንመብዛሕትኦም ናይቶም በቲ ራብዓይ ፈረሰኛ እተመንቈሱ ዝእክብ ሲኦል ስለ ዝዀነ ኸኣ: ሞት ብዘይተገልጸ መገዲ ብሲኦል (መቓብር) ክስዓብ ዝሰማማዕ ኢዩ። ዘሐጕስ ግን እዚኣቶም ‘ሞትን ሲኦልን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት’ ክህቡ ኸለዉ ትንሳኤ ክረኽቡ ኢዮም። (ራእይ 20:13) ሞት ንሰባት ግዳዩ ዝገበሮም ግን ብኸመይ ኢዩ፧

27. (ሀ) እቲ ሞት ዝስሙ ፈረሰኛ ነቶም ቅቱላቱ ዝእክቦም ከመይ ገይሩ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ‘ራብዓይ ኣፍ ምድሪ’ እንታይ ማለት ኢዩ፧

27 እቲ ትርኢት ገለ ካብቲ መገድታት ከምዚ ኢሉ ይጽብጽብ:- “ብሰይፍን ጥሜትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም: ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ ኪቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም።” (ራእይ 6:8ለ) ቃል ብቓሉ ንርብዒ ህዝቢ ዓለም ዘይኰነስ: ብዙሕ ሰብ ዝነብረሉ ይኹን ሒደት ሰብ ዝነብርሉ ብዘየገድስ ዝዓበየ ክፍሊ ናይ ምድሪ በዚ ምግላብ እዚ ክትንከፍ ኢዩ። እዚ ፈረሰኛ እዚ ነቶም በቲ ዓቢ ሰይፊ ናይቲ ኻልኣይ ፈረሰኛ እተቐንጸሉ ሰባት ከምኡ ድማ ነቶም ኣደዳ ጥሜትን ዋሕዲ መግብን ናይቲ ሳልሳይ ፈረሰኛ ዝዀኑን ይኣኻኽብ። ንሱውን ብግዴኡ ከምቲ ኣብ ሉቃስ 21:10, 11 ተገሊጹ ዘሎ ብፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ገይሩ ብዙሓት ሰባት ይዓጽድ።

28. (ሀ) ብዛዕባ “ፌራ” ዝነበረ ትንቢት ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ብዙሕ ሕማማት ዕቝባ ዝረኽቡ ብኸመይ ኢዮም፧

28 ሕጂ ከነስተብህለሉ ደሊና ዘሎና “ፌራ” ኢዩ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብዙሕ ዕንወት ፈጺሙ ምስ ሓለፈ: ናይ ስጳኛ ኢንፍልወንዛ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ናይ 1918-19 ካብ 20 ሚልዮን ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት ቀዘፈ። ኣብ ብዘላ ዓለም ካብዚ መዓት እዚ ዘምለጠት ቦታ: እታ ንእሽቶ ደሴት ናይ ሰይንት ሄለና ጥራይ ኢያ። ኣብቲ ሰባት ብብዝሒ ዝሞትሉ ቦታታት ድማ: ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሬሳታት ብሓንሳእ ጸፋጺፍካ ሓዊ ብምንዳድ ተፈጸመ። ሎሚውን መብዛሕትኡ ብሰንኪ ትምባኾ እተላዕለ ሕማም ልብን መንሽሮን ብዘሰምብድ ብዝሒ ይርአ ኣሎ። ኣብተን “ግናያት ዓሰርተ ዓመታት” ተባሂለን እተጸውዓ ናይ 1980ታት: ኣንጻር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ምንባር ዘምጽኦ ናይ አይድስ መዓት ነቲ “ፌራ” ይውስኸሉ ኣሎ። ኣብ ዓመት 2000 ሓደ ናይ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ሰርጀን ጀነራል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ንሕማም አይድስ “ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ለበዳ ሕማም” ኢሉ ጸውዖ። ንሱ 52 ሚልዮን ሰባት ብኤች.ኣይ.ቪ./አይድስ ከም እተለኽፉ: ካብኦም 20 ሚልዮን ዚዀኑ ድማ ድሮ ኸም ዝሞቱ ሓበረ። ኣገልገልቲ የሆዋ ግን ካብቲ ብዙሕ ሕማም ዘመሓላልፍ ምንዝርን ካብ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ናይ ደምን ብሳላ እቲ ጥበብ ዝመልኦ ምኽሪ ናይ ቃሉ ስለ ዝረሓቑ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣመስገንቲ ኰን ኢዮም!—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣረኣእዮ።

29, 30. (ሀ) እተን ‘ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርዲ’ ናይ ህዝቅኤል 14:21 ሎሚ እንታይ ፍጻሜ ኢዩ ዘለወን፧ (ለ) ካብቶም ኣብ ራእይ 6:8 ተጠቒሶም ዘለዉ ‘ኣራዊት ምድሪ’ እንታይ ኢና እንርዳእ፧ (ሐ) እቲ ቀንዲ ነጥቢ ናይዚ ትንቢታዊ ትርኢት እንታይ ኢዩ፧

29 ኣብቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ ኣብ ዘይእዋኑ ናይ ሙማት ራብዓይ ምኽንያት: ኣራዊት ምድሪ ምዃኖም ጠቐሰ። ብሓቂ: እቶም እቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ተኸፍተ እተገልጹ ኣርባዕተ ነገራት—ውግእ: ጥሜት: ሕማም: ኣራዊት—ኣብ ግዜ ጥንቲ ከም ቀንዲ ምኽንያት ናይ ኣብ ዘይእዋኑ ሙማት ኢዮም ዝርኣዩ ነይሮም። ስለዚ ናይዚ ሎሚ ዘሎ ዅሉ ምኽንያት ናይ ኣብ ዘይእዋኑ ሙማት ጽላሎት ኢዮም። ልክዕ ከምቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን “ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ: ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ: ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን: ኣብ የሩሳሌም ምስ ዝሰድድውን” ብምባል ዘጠንቀቖም ኢዩ።—ህዝቅኤል 14:21

30 ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ብኣራዊት ሙማት ከም ዓቢ ኣርእስቲ ኰይኑ ብዙሕ ግዜ ኣይወጽእን ኢዩ: ይኹን እምበር ኣብ ትሮፒካዊ ሃገራት ብቐጻሊ ሰባት ብኣራዊት ተቐቲሎም ኢዮም። ንመጻኢውን: ዓድታት ብምኽንያት ውግእ ምስ ዝባድማ ወይ ድማ ሰባት ብምኽንያት ጥሜት ደኺሞም ነቶም ዝጠመዩ ኣራዊት ከርሕቕዎም ምስ ዘይክእሉ: ዝያዳ ብኣራዊት ሙማት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ሎሚ ከም ዘየስተውዕሉ እንስሳታት ብምዃን ኣንጻር እቶም ኣብ ኢሳይያስ 11:6-9 ተጠቒሶም ዘለዉ: ኣራዊታዊ ጠባያት ኢዮም ዘርእዩ ዘለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ናይቲ ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ምስ ጾታዊ ርክብ እተተሓሓዘ ገበናት: ቅትለት: ሽበራ: ከምኡውን ቦምብ ምትኳስ ቀንዲ ተሓተትቲ ኢዮም። (ምስ ህዝቅኤል 21:31፣ ሮሜ 1:28-31፣ 2 ጴጥሮስ 2:12 ኣረኣእዮ።) እቲ ራብዓይ ፈረሰኛ ናቶም ቅቱላት እውን ይእክብ ኢዩ። ናይዚ ትንቢታዊ ትርኢት እዚ ቀንዲ ነጥቢ ድማ እቲ ኣብ ቡላ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ፈረሰኛ ንደቅሰብ ብዘይ መዓልቶም ብእተፈላለየ መገድታት ገይሩ ብሞት ከም ዝዓጽዶም ኢዩ ዘመልክት።

31. በቶም ኣብ ሓመርን መጋልን ቡላን ኣፍራስ እተቐመጡ ፈረሰኛታት ዕንወት እኳ እንተ መጸ: ስለምንታይ ኢና እንተባባዕ፧

31 ኣብ ምኽፋት ናይተን ኣርባዕተ ማሕተም ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ: በቲ ሎሚ በዚሑ ዘሎ ውግእ: ጥሜት: ሕማም: ከምኡውን ኣብ ዘይእዋኑ ሙማት ከይንስንብድ ስለ ዝምህረና የጸናንዓና ኢዩ፣ ሰብኣውያን መራሕቲ ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ሽግር ስለ ዘይፈትሕዎ ኸኣ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን። ኵነታት ዓለም: እቶም ኣብ ሓመርን መጋልን ቡላን ኣፍራስ ተቐሚጦም ዘለዉ ፈረሰኛታት ይጋልቡ ከም ዘለዉ ዘረድእ እንተድኣ ኰይኑ: መጀመርታ ምግላብ ዝጀመረ እቲ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተቐመጠ ምዃኑ ኣይትረስዕ። የሱስ ነጊሱ ኢዩ: ንሰይጣን ካብ ሰማያት ክሳዕ ምድርባይ ከኣ ስዒሩ ኢዩ። እቲ ካልእ ስዕረታቱ ድማ: ምእካብ ናይቶም ቅቡኣት ተረፍ ናይ መንፈሳውያን እስራኤል ከምኡውን ካብቲ ዓቢ ጸበባ ምእንቲ ክድሕኑ ምእካብ ናይቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከቡ ዓቢ ጭፍራ ኢዩ። (ራእይ 7:4, 9, 14) ዓወቱ ኣብ መወዳእታ ክሳዕ ዘብጽሖ ድማ ገና ክጋልብ ኣለዎ።

32. ነፍሲ ወከፍ ምፍታሕ ናይተን ኣርባዕተ ማሕተም ብምንታይ ይልለ፧

32 እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ማሕተም ነፍሲ ወከፈን ኣቐዲሙ “ንዓ” ዝብል ጻውዒት ምስ ተሰምዐ ኢየን ተፈቲሐን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጻውዒትውን ፈረስን ዝተቐመጦ ፈረሰኛን ወጹ። ካብቲ ሓምሻይ ማሕተም ጀሚርካ ግን ከምዚ ዝበለ ጻውዒት ኣይክንሰምዕን ኢና። እቶም ፈረሰኛታት ግን ገና ይጋልቡ ኢዮም ዘለዉ: ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኸኣ ጋልቢቶም ክቕጽሉ ኢዮም። (ምስ ማቴዎስ 28:20 ኣረኣእዮ።) የሱስ ነተን ተሪፈን ዘለዋ ሰለስተ ማሕተም ምስ ፈትሐንከ ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻመ ኢዩ ክግለጽ፧ ገለ ኻብኡ ብዓይኒ ሰብ ክርአ ዘይክል ኢዩ። ገሊኡ ኸኣ ክርአ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ንመጻኢ ግዜ ዝኸውን ኢዩ። ይኹን እምበር: ከም ዝፍጸሙ ርግጽ ኢዩ። እስከ እንታይ ከም ዝዀኑ ንርአ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ይኹን እምበር: እታ ኣብ ራእይ 12:1 ተጠቒሳ ዘላ “ሰበይቲ” ምሳልያዊ “ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ከዋኽብቲ” ከም ዘለዋ ኣስተብህል።

b የሱስ ብ1914 መንግስቲ ከም እተቐበለ ምሉእ መርትዖ እንተድኣ ደሊኻ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ገጽ 215-18 ርአ።

c ሓያለይ ትርጕማት ነዛ ቃል እዚኣ “ምስዓር” (ሪቫይዝድ ስታንዳርድ፣ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል፣ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን) ወይ ድማ “ንኽስዕር ዝቘረጸ” (ፊሊፕስ: ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን) ኢሎም እኳ እንተተርጐምዋ ኣብቲ ቦኽሪ ግሪኽ ግን: ምፍጻም ወይ ምውዳእ ኢያ እተስምዕ። ስለዚ ኸኣ ኣብቲ ብሮበርሰን እተዳለወ “ዎርድ ፒክቸርስ ኢን ዘ ኒው ተስታመንት” ዝብል ጽሑፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ሓሳባት ይህብ:- “ኣብዚ እቲ ግሲ ንናይ መወዳእታ ስዕረት ኢዩ ዘመለክት።”

d ኣብ እግረ-ጽሑፍ ትርጕም ሓዳስ ዓለም መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ርአ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 92 ዘሎ ሳጹን]

እቲ ንጉስ እናሰዓረ ይጋልብ

ኣብ 1930ታት ከምኡውን ኣብ 1940ታት ጽልኦም ዘግሃዱ ሰባት: ኣገልግሎት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይሕጋውን ገበነኛን አረ መናዓብን ከም ዝዀነ ከምስሉ ፈቲኖም ኢዮም። (መዝሙር 94:20) ብ1936 ጥራይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 1,149 ግዜ ማእሰርቲ ተመዝገበ። እቶም መሰኻኽር ክሳዕ እቲ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተማጐቱ: ገለ ኻብቲ ዝረኸብዎ ብሉጽ ዓወታት ድማ እዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ብ3 ግንቦት 1943 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ እቲ ሙርዶክ ኣንጻር ፐንሲልቨንያ ቀሪቡ ዝነበረ ክሲ ክትብይን ከላ: መሰኻኽር ጽሑፋቶም ብገንዘብ ክዕድሉ ከለዉ ናይ ንግዲ ፍቓድ ኣየደልዮምን ኢዩ በለት። በታ መዓልቲ እቲኣውን ብዛዕባ ማርቲን ኣንጻር ሲቲ ኦቭ ስትሩዘርስ ዝነበረ መጐተ: ናይ መዐደሚ ጽሑፋትን ካልእ ዘፋልጥ ነገራትን ክትዕድል ከለኻ ካብ ቤት ናብ ቤት ምዅሕኳሕ ዘይሕጋዊ ኣይኰነን ተባሂሉ ተወሰነ።

ብ14 ሰነ 1943 እውን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ተይሎር ኣንጻር ሚሲሲፒ ቀሪቡ ዝነበረ ክሲ: መሰኻኽር ብስብከቶም ንመንግስቲ እሙን ዘይምዃን ኣየተባብዑን ኢዮም ኢላ በየነት። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዌስት ቪርጂንያ ስቴት ቦርደ ኦቭ ኤዱኬሽን ኣንጻር በርነት ቀሪቡ ዝነበረ ክሲ: ንባንዴራ ሰላምታ ኣይንገብርን ዝበሉ ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣካየድቲ ቤት ትምህርቲ ክሰጕዎም መሰል የብሎምን: ብምባል እቲ ቤት ፍርዲ ወሰነ። ንጽብሒቱ ኸኣ ምሉእ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣውስትራልያ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእጋድ “ብሃውሪ እተገብረ: ዘይስሩዕን ጨቋንን” ኢዩ ብምባል ኣልገሰቶ።

[ኣብ ገጽ 94 ዘሎ ሳጹን]

“ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ”

ቴክኖሎጂ ናበይ ኢዩ ዝመርሕ ዘሎ፧ እታ ብ22 ጥሪ 1987 ተሓቲማ ዝወጸት ዘ ግሎብ ኤንድ መይል እትበሃል ናይ ቶሮንቶ: ካናዳ ጋዜጣ: ነቲ ኢቫን ኤል ሄድ ናይ ኢንተርናሽናል ሪሰርች ሰንተር ፕረዚደንት ዝሃቦ ዝርርብ ከምዚ ኢላ ብምቕራብ ጸብጻብ ትህብ:-

“ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣብ ምምርማርን ምዕባለን ካብ እተዋፈሩ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ሊቃውንትን ናይ ቴክኖሎጂ ምሁራትን ሓደ: ብዛዕባ ኣጽዋር ከም ዘጽንዕ ርግጸኛ ዝዀነ ግምት ኣሎና። . . . ናይ 1986 ገምጋም ኣብ ሓንቲ ደቒቕ ካብ $1.5 ሚልዮን ዶላር ንላዕሊ ወጻኢ ከም ዘሎ ይግምት። . . . በዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ቴክኖሎጂ ጽዓትከ ዝያዳ ድሕንነትዶ ክንረክብ ንኽእል ኢና፧ እዚ ሎሚ ሓያላት መንግስታት ደሊበንኦ ዘለዋ ኑክሌርያዊ ኣጽዋር ሒዝዎ ዘሎ ተባራዒ ባሩድሲ: ካብቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተጀሚሩ ክሳዕ ዝውዳእ ኵሎም ተዋጋእቲ ዘዘውተርዎ ጠያይት ብ6,000 ኢድ ዝተዓጻጸፈ ናይ ምብራዕ ሓይሊ ዘለዎ ኢዩ። እዚ ኸኣ ሽዱሽተ ሽሕ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ማለት ኢዩ። ካብ 1945 ኣትሒዝካ ዓለም ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ናጻ ዝዀነትሉ ካብ ሸውዓተ ሰሙናት ዝወሓደ ኢዩ። ልዕሊ 150 ዝኸውን ኣህጉራዊ ወይ ሓድሕዳዊ ውግኣት ተገይሩ ኢዩ: ብሰንኩ ኸኣ 19.3 ሚልዮን ነፍሳት: መብዛሕትኦም ከኣ ብምኽንያት እቲ ኣብዚ ዘመን ናይ ሕቡራት ሃገራት ዝመጸ ስሉጥ ዝዀነ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ጠፊኦም ኢዮም።”

ክሳዕ 2005: ወተሃደራዊ ንጥፈታት ልዕሊ 20 ሚልዮን ህይወት ኣጥፊኡ።

[ኣብ ገጽ 98, 99 ዘሎ ሳጹን]

ኣሰራርዓ ናይ መጽሓፍ ራእይ

እቲ ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ መጽሓፍ ራእይ ተማሂርናዮ ዘሎናስ: ኣሰራርዓ ናይታ መጽሓፍ ዝያዳ ክበርሃልና ጀሚሩ ኢዩ። ደድሕሪ እቲ ዘነቓቕሕ መእተዊኡ (ራእይ 1:1-9): መጽሓፍ ራእይ ከምዚ ዝስዕብ ኣብ 16 ትርኢታት ከም እተመቕለ ገይርካ ክርአ ይከኣል ኢዩ:-

ትርኢት 1 (1:10–3:22):- ዮሃንስ ብመንፈስ ተደሪኹ እቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ነተን ሸውዓተ ጉባኤታት ምዉቕ ምኽሪ ዝሓዘ መልእኽቲ ክልእከለን ከሎ የርኢ።

ትርኢት 2 (4:1–5:14):- ግርማ ዝመልኦ ትርኢት ናይቲ ሰማያዊ ዝፋን የሆዋ ኣምላኽ። ንሱ ኸኣ ነቲ ገንሸል ሓደ ጥቕላል ይህቦ።

ትርኢት 3 (6:1-17):- እቲ ገንሸል ነተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ማሕተም ናይቲ ጥቕላል ምስ ፈትሐን ብመዓልቲ ጐይታ ዝኸውን እተተሓሓዘ ትርኢታት ብተኸታታሊ ይገልጽ። እቶም ኣርባዕተ ፈረሰኛታት ናይ ራእይ ይወጹ: እቶም እተሰውኡ ባሮት ኣምላኽ ጻዕዳ ኽዳን ይቕበሉ: እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጠዓ ኸኣ ትግለጽ።

ትርኢት 4 (7:1-17):- እቶም 144,000 ናይ ኣምላኽ እስራኤል ማሕተም ክሳዕ ዝገብሩሎም: መላእኽቲ ነቲ ዘጥፍእ ንፋስ ይሕዝዎ። ካብ ኵሎም ህዝብታት እተኣከቡ ዓቢ ጭፍራ: ድሕነት ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ምዃኑ ኣፍልጦ ይህቡ: ካብቲ ዓቢ ጸበባ ንኽድሕኑ ኸኣ ይእከቡ።

ትርኢት 5 (8:1–9:21):- እቲ ሻብዓይ ማሕተም ምስ ተፈትሐ: ሸውዓተ መለኸት ይንፋሕ: እቶም ቀዳሞት ሽዱሽተ ድማ ነቲ ሓምሻይ ትርኢት የቑሙ። ድምጺ ናይዞም ሽዱሽተ መለኸት እዚኣቶም ድማ ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዘውርዶ ፍርዲ የቃልሕ። እቲ ሓምሻይን ሻዱሻይን መለኸት ድማ ነቲ ቀዳማይን ካልኣይን ወዮ ይነግር።

ትርኢት 6 (10:1–11:19):- ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ንዮሃንስ ሓንቲ ንእሽቶ ጥቕላል ይህቦ: እታ ቤት መቕደስ ትልካዕ: እቶም ክልተ መሰኻኽር ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኸኣ ይነግረና። እዚ በቲ ምንፋሕ ናይቲ ሻብዓይ መለኸት: እዚ ኸኣ ንጸላእቲ ኣምላኽ ሳልሳይ ወዮ ዝዀነ ናይ መንግስቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ምምጻእ: ይውዳእ።

ትርኢት 7 (12:1-17):- እዚ ብዛዕባ ምውላድ ናይታ መንግስቲ ይገልጽ: እዚ ኸኣ ሚካኤል ነቲ ተመን: ሰይጣን: ናብ ምድሪ ከም ዝድርብዮ ይገብር።

ትርኢት 8 (13:1-18):- እቲ ብርቱዕ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ይወጽእ: እቲ ገንሸል ዝመስል ክልተ ቐርኒ ዘለዎ ኣራዊት ከኣ ንደቅሰብ ከምልኽዎ ይግድዶም።

ትርኢት 9 (14:1-20):- ግሩም ዝዀነ ትርኢት ናይቶም ኣብ ደብረጽዮን ደው ዝብሉ 144,000። ኣብ ምድሪ ናይ መላእኽቲ መልእኽቲ ይስማዕ: ወይኒ ምድሪ ይዕጸድ: መጽመቝ ወይኒ ቍጥዓ ኣምላኽውን ይርገጽ።

ትርኢት 10 (15:1–16:21):- ካልእ ትርኢት ናይቲ ሰማያዊ መጋባእያ: ድሕሪኡ ስዒቡ ኸኣ እተን ሸውዓተ ቍጥዓ የሆዋ ዝሓዛ ጽዋእ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ይክዓዋ። እዚ ኽፍሊ እዚ ኸኣ ብዛዕባ መወዳእታ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ትንቢታዊ መግለጺ ብምሃብ ይውዳእ።

ትርኢት 11 (17:1-18):- ዓባይ ባቢሎን: እታ ዓባይ ኣመንዝራ ኣብቲ ንቝሩብ ግዜ ኣብ መዓሙቕ ዝኣቱ: ድሓር ግን እንደገና ዝወጽእ: ቀጺሉ ኸኣ ዘጥፍኣ ቀይሕ ኣራዊት ተቐሚጣ ትርአ።

ትርኢት 12 (18:1–19:10):- ውድቀትን ናይ መወዳእታ ጥፍኣትን ዓባይ ባቢሎን ይእወጅ። ድሕሪ ጥፍኣት ድማ ገሊኦም ይበኽዩላ: ገሊኦም ከኣ ንየሆዋ የመስግኑ: መርዓ እቲ ገንሽል ድማ ይእወጅ።

ትርኢት 13 (19:11-21):- የሱስ ንሰራዊት ሰማይ መሪሑ ቍጥዓ ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብን ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱን ደገፍቱን የውርድ፣ በላዕቲ ገምቢ ዝዀኑ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ሬሳታቶም ይበልዑ።

ትርኢት 14 (20:1-10):- ናይ ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ መዓሙቕ ምእሳር: ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስን እቶም ምስኡ ነገስታት ዝዀኑን: ናይ መወዳእታ ፈተና ደቅሰብ: ምድምሳስ ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን።

ትርኢት 15 (20:11–21:8):- ሓፈሻዊ ትንሳኤ ከምኡውን እታ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ፣ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ይርአ: ነቶም ጻድቃን ደቅሰብ ከኣ ናይ ዘለኣለም በረኸታት የምጽኣሎም።

ትርኢት 16 (21:9–22:5):- መጽሓፍ ራእይ በቲ ብሩህ ዝዀነ ትርኢት ናይ ሓዳስ የሩሳሌም: ሰበይቲ ናይቲ ገንሽል ይፍጸም። ካብዛ ከተማ እዚኣ ኸኣ እቲ ናይ ምፍዋስን ህይወትን ዝዀነ ምድላው ኣምላኽ ንደቅሰብ ይውሕዝ።

ራእይ መልእኽታ ካብ የሆዋን የሱስን እቲ መልኣኽን ዮሃንስን ብዝመጸ ምዉቝ ናይ ሰላምታን ምኽርን ቃላት ትድምድም። እቲ ንዅሉ ዝቐርበሉ ዕድመ ኸኣ “ንዓ” ዝብል ኢዩ።—ራእይ 22:6-21