ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝበ-ክርስትያን ዘውርዶ መዓት

የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝበ-ክርስትያን ዘውርዶ መዓት

ምዕራፍ 21

የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝበ-ክርስትያን ዘውርዶ መዓት

ትርኢት 5​—ራእይ 8:1–9:21

ቀንዲ መልእኽቲ:- ካብቶም ሸውዓተ መለኸት ምንፋሕ ናይቶም ሽዱሽተ

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ካብቲ የሱስ ብ1914 ኣብ ዝፋን እተቐመጠሉ ክሳዕ እቲ ዓቢ ጸበባ

1. እቲ ገንሸል ነቲ ሻውዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ እንታይ ኰነ፧

 እቶም “ኣርባዕተ ንፋሳት” እተዓግቱ: እቶም 144,000 መንፈሳውያን እስራኤል ክሳዕ ዝሕተሙን እቶም ዓቢ ጭፍራ ድማ ንምድሓን ክሳዕ ዝበቕዑን ኢዩ። (ራእይ 7:1-4, 9) ይኹን እምበር: እዚ ብርቱዕ ህቦብላ እዚ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምዃኑ: ናይ የሆዋ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ክንገር ይግባእ! እቲ ገንሸል ነቲ ሻውዓይን ናይ መወዳእታን ማሕተም ክፈትሖ ኸሎ: ዮሃንስ እንታይ ከም ዝገሃድ ምእንቲ ክርኢ ተሃንጥዩ ይምልከት ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ሕጂ ኸኣ ተመክሮኡ ከምዚ ብምባል የካፍለና:- [እቲ ገንሸል] ነቲ ሳብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ: ኣብ ሰማይ ኣስታት ፈረቓ ሰዓት ዚአክል ስቕታ ዀነ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ሾብዓተ መላእኽቲ ደው ኢሎም ርኤኹ: ሾብዓተ መለኸትውን ተዋህቦም።”—ራእይ 8:1, 2

ዓሚቝ ጸሎት እተገብረሉ ግዜ

2. ኣብቲ ኣብ ሰማይ እተራእየ ናይ ፍርቂ ሰዓት ምሳልያዊ ስቕታ እንታይ ተፈጸመ፧

2 እዝስ ትርጕም ዘለዎ ስቕታ ኢዩ! ሓደ ነገር ክኸውን ክትጽበ ከሎኻ ፍርቂ ሰዓት ነዊሕ ክመስል ይኽእል ኢዩ። ሕጂ እቲ ዘየቋርጽ ናይ ሓባር ሰማያዊ መዝሙር ውዳሴ እውን ከይተረፈ ኣይስማዕን ኢዩ ዘሎ። (ራእይ 4:8) ስለምንታይ፧ ዮሃንስ ነቲ ምኽንያት ብትርኢት ይርእዮ:- “ካልእ መልኣኽውን መጸ እሞ: ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ: ነቲ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ኺውስኾ ኸኣ: ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ። እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት እቶም ቅዱሳት ኰይኑ ኻብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ደየበ።”—ራእይ 8:3, 4

3. (ሀ) ዕጣን ምዕጣን እንታይ የዘኻኽረና፧ (ለ) ዕላማ ናይቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ናይ ፍርቂ ሰዓት ስቕታ እንታይ ኢዩ፧

3 እዚ: ኣብቲ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ መጀመርታ ኣብቲ ማሕደር ድሓር ድማ ኣብ ቤተ-መቕደስ ናይ የሩሳሌም መዓልቲ-መዓልቲ ዕጣን ይዕጠን ከም ዝነበረ የዘኻኽረና። (ዘጸኣት 30:1-8) ከምዚ ዝበለ ዕጣን ክዕጠን ከሎ: እቶም ካብ ክህነት ዘይኰኑ እስራኤላውያን ኣብ ወጻኢ ናይቲ ቅዱስ ቦታ ዀይኖም ብልቦም ናብቲ እቲ ናይ ዕጣን ትኪ ዝዓርጎ ዝነበረ ኣምላኽ እናጸለዩ ይጽበዩ ነበሩ። (ሉቃስ 1:10) ሕጂ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ ሰማይ ተመሳሳሊ ነገር ክፍጸም ይርኢ። እቲ መልኣኽ ዘቕረቦ ዕጣን ምስ “ጸሎት እቶም ቅዱሳት” እተተሓሓዘ ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣቐድም ኣቢሉ እተራእየ ትርኢት: ዕጣን ነዚ ኸምዚ ዝበለ ጸሎት ከም ዘመልክት ተነጊሩ ኣሎ። (ራእይ 5:8፣ መዝሙር 141:1, 2) እምበኣርከስ እቲ ኣብ ሰማይ እተራእየ ምሳልያዊ ስቕታ: ጸሎት እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳት ምእንቲ ክስማዕ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ።

4, 5. ነቲ ምሳልያዊ ናይ ፍርቂ ሰዓት ስቕታ ዘመልክት እዋን: ኣየናይ ከም ዝዀነ ንኽንውስን ዝሕግዘና ታሪኻዊ ምዕባለታት እንታይ ኢዩ፧

4 እዚ መዓስ ከም እተፈጸመ ክንውስን ንኽእልዶ፧ እወ: ኣብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ምስቲ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ጐይታ ዝዀነ ታሪኻዊ ምዕባለታት ኣተሓሒዝና ብምምርማር ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። (ራእይ 1:10) ብ1918 ከምኡውን ብ1919 እቲ ኣብ ምድሪ ዝዀነ ፍጻመታት ምስቲ ኣብ ራእይ 8:1-4 ተገሊጹ ዘሎ ትርኢት ኣጸቢቑ ይሰማማዕ። እቶም ቀደም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሃሉ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: 40 ዓመታት ኣቐዲሞም: 1914 ዘበናት ኣህዛብ ኣብታ ዓመት እቲኣ ከም ዝውዳእ ብትብዓት ይእውጁ ነበሩ። እቲ ኣጨናቒ ፍጻመታት ናይ 1914 ልክዕ ከም ዝነበሩ ኣረጋገጸሎም። (ሉቃስ 21:24፣ ማቴዎስ 24:3, 7, 8) እንተዀነ ግን ሓያለይ ካባታቶም ብ1914 ካብ ምድሪ ናብቲ ሰማያዊ ውርሽኦም ዝውሰዱ ይመስሎም ነበረ። እዚ ግን ኣይተፈጸመን። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም መሪር መስጐግቲ ተጸመሙ። ብ31 ጥቅምቲ 1916 ድማ እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ቐዳማይ ፕረዚደንት ዝነበረ ቻርለስ ቲ. ራስል ሞተ። ድሕርቲ ኸኣ ብ4 ሓምለ 1918 እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድን ካልኦት ሸውዓተ ወኪላት ማሕበርን ብጌጋ ንነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዶም ናብ ናይ ኣትላንታ ጆርጅያ ቤት ማእሰርቲ ተወስዱ።

5 እቶም ቅኑዓት ዝዀኑ ክፍሊ ዮሃንስ ተደናጊሮም ነበሩ። ብድሕርዚ ኣምላኽ እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዝደልዮም ነይሩ፧ ናብ ሰማይ ዝውሰዱ መዓስ ኢዮም፧ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1919 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “እቲ ዓጺድ ተወዲኡ—እንታይ ኢዩ ዝስዕብ፧” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ሓንቲ ዓንቀጽ ወጸት። ርግጸኛታት ከም ዘይነበሩ ኣንጸባረቐት: ነቶም እሙናት ከኣ ቀጻሊ ምጽማም ከርእዩ ኣተባብዐት: ወሲኻ ኸኣ “ዓጺድ ናይቶም ክፍሊ እታ መንግስቲ ኣብቂዑ: ኵሎም ኣባላቱውን ብዝግባእ ተሓቲሞም እቲ ማዕጾውን ተዓጽዩ ዝብል ዘረባ ሕጅስ ሓቂ ምዃኑ ንኣምን ኢና” በለት። ኣብቲ ኣሸጋሪ እዋን እቲ ዓሚቝ ጸሎት ናይቶም ክፍሊ ዮሃንስ ልክዕ ከም ትኪ ናይ ብዙሕ ዕጣን ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኢዩ። ጸሎቶምውን ተሰምዐ!

ሓዊ ናብ ምድሪ ምድርባይ

6. ድሕርቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ስቕታ እንታይ ይፍጸም: እዚኸ ናይ እንታይ መልሲ ኢዩ፧

6 ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “እቲ መልኣኽ ድማ ጽንሃህ ወሲዱ ኻብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መልኦ: ናብ ምድሪውን ደርበዮ: ነጐዳታትን ጭር[]ታትን በርቅታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከኣ ዀነ።” (ራእይ 8:5) ድሕርቲ ስቕታ ብሃንደበት መሳጢ ንጥፈት ይጅምር! እዚ በቲ ካብ መሰውኢ ዕጣን እተወስደ ሓዊ ስለ እተወልዐ: ንጸሎት ናይቶም ቅዱሳት እተዋህበ መልሲ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና: እቲ ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ከረን ሲና ዝዀነ ነጐዳን በርቅን: ብርቱዕ ድምጺ: ሓዊ: ከምኡውን ምንቕጥቃጥ ናይቲ ከረን: የሆዋ ኣቓልቦኡ ናብ ህዝቡ ከም ዝገበረ ኣመልከተ። (ዘጸኣት 19:16-20) ኣብቲ ዮሃንስ ዘቕረቦ ጸብጻብ ዘሎ ተመሳሳሊ ተርእዮታት ከኣ የሆዋ ኣቓልቦኡ ናብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ከም ዝገበረ ይሕብር። እቲ ዮሃንስ ዝርእዮ ግን ብምልክታት ዝቐረበ ኢዩ። (ራእይ 1:1) ስለዚ እዚ ምሳልያዊ ሓዊ: ነጐዳ: ድምጺ: በርቂ: ከምኡውን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሎሚ ብኸመይ ይትርጐም፧

7. (ሀ) የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ እንታይ ምሳልያዊ ሓዊ ኢዩ ዝወልዐ፧ (ለ) መንፈሳውያን ኣሕዋት የሱስ ንህዝበ-ክርስትያን ሓዊ ዝወልዑላ ብኸመይ ኢዮም፧

7 የሱስ ሓደ ግዜ ንደቀ መዛሙርቱ “ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ” ኢሉ ነገሮም። (ሉቃስ 12:49) ብሓቂ ሓዊ ወሊዑ ኢዩ። የሱስ በቲ ቀናእ ስብከቱ ገይሩ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህዝቢ ኣይሁድ ቀንዲ መከራኸሪት ከም እትኸውን ገበረ: እዚ ኸኣ ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ርሱን ምጕት ኣልዓለ። (ማቴዎስ 4:17, 25፣ 10:5-7, 17, 18) ብ1919 እቶም ካብቲ ፈታኒ እዋን ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብህይወት ዝተረፉ መንፈሳውያን ኣሕዋት የሱስ ዝዀኑ ሒደት ጕጅለ ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት ንህዝበ-ክርስትያን ተመሳሳሊ ሓዊ ወልዑላ። ኣብ መስከረም ናይታ ዓመት እቲኣ እቶም እሙናት መሰኻኽሩ ካብ ቀረባን ካብ ርሑቕን ኣብ ሰዳር ፖይንት ኦሃዩ ሕ.መ.ኣ. ምስ ተኣከቡ: መንፈስ የሆዋ ብግህዶ ተራእየ። እቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ቅሩብ ግዜ ዝወጸ: ድሕሪ ቅሩብ ከኣ ኵሉ እተኸሰሰሉ ኽስታት እተላዕለሉ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ብትብዓት ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ:- “ንትእዛዝ ናይ ጐይታና እዙዛት ብምዃን: ከምኡውን ኣንጻር እቲ ንነዊሕ ግዜ ሰባት ማሪኹ ዘሎ ዕርድታት ጌጋ ንምውጋእ ዘሎና መሰልን ግቡእን ኣፍልጦ ብምሃብ: ቅድም ኰነ ሕጂ ዕዮና ምምጻእ ናይታ ግርማዊት መንግስቲ ናይቲ መሲሕ ምእዋጅ ኢዩ።” እዚ እቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ቀንዲ ክርክር ኢዩ!

8, 9. (ሀ) ኣብቲ ጽንኩር ናይ ውግእ ዓመታት ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ንኣረኣእያን ባህግን ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ዝገለጾ፧ (ለ) ሓዊ ኣብ ምድሪ እተደርበየ ብኸመይ ኢዩ፧ (ሐ) ነጕድን ድምጽታትን በርቅን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

8 ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ንህዝቢ ኣምላኽ ዘጓነፎም ብርቱዕ ተመክሮታት ብምምልካት እቲ ተዛራቢ ከምዚ በለ:- “ናይቲ ጸላኢ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ድንጋጽ ዘይነበሮ ብምንባሩ ብዙሓት ካብቶም ናይ ጐይታ ፍቑራት መጓሰ ደንጽዩዎምን ኣርሚምዎምን: ጐይታ ፍቓዱ ክሕብር ጸለዩን ተጸበዩን። . . . እንተዀነ ግን ግዝያዊ ተስፋ ምቝራጽ እኳ እንተነበረ: መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምስባኽ ብርቱዕ ባህጊ ነበረ።”—ናይ 15 መስከረም 1919 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 280 ርአ።

9 ብ1919 ድማ እዚ ባህጊ እዚ ዓገበ። እዚ ንእሽቶ: ግናኸ ንጡፍ ጕጅለ ክርስትያናት እዚ ዓለምለኸ ናይ ስብከት ወፍሪ ንኽጅምር ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ተወልዐ። (ምስ 1 ተሰሎንቄ 5:19 ኣረኣእዮ።) ሓዊ ናብ ምድሪ ተደርበየ እዚ ማለት ከኣ መንግስቲ ኣምላኽ እታ ቐንዲ ኣከራኻሪት ጉዳይ ኰነት: ከምኡ ኰይና ኸኣ ትቕጽል ኣላ! ነቲ ዝነበረ ስቕታ ኸኣ ንጹር መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ዝነግር ብርቱዕ ድምጽታት ተክኦ። ነጐድጓድ ዘለዎ ማዕበል ዝጥዕም መጠንቀቕታታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰምዐ። ከም ማሕታ በርቂ ዝመስል ብሩህ ጩራ ሓቂ ካብቲ ትንቢታዊ ቃል የሆዋ ኣንጸባረቐ: ከም ብብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ እቲ ሃይማኖታዊ ግዝኣት ካብ መሰረቱ ተናወጸ። እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ክግበር ዘለዎ ዕዮ ከም ዘሎ ርኣየ። እቲ ዕዮ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብዘደንቕ መገዲ ብግርማ ምስፍሕፍሑ ይቕጽል ኣሎ!—ሮሜ 10:18

ንምንፋሕ ናይቲ መለኸት ምድላው

10. እቶም ሸውዓተ መላእኽቲ እንታይ ክገብሩ ኢዮም ዝዳለዉ: ስለምንታይከ፧

10 ቀጺሉ ኸኣ ዮሃንስ ከምዚ ይብል:- “እቶም ሾብዓተ መለኸት ዘለዎም ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ መለኸት ኪነፍሑ ተዳለዉ።” (ራእይ 8:6) ምንፋሕ ናይዞም መለኸት እዚኣቶም እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብግዜ እስራኤል ምንፋሕ መለኸት ኣገደስቲ መዓልትታትን ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝግብኦ ፍጻመታትን ንምምልካት ይጠቅም ነበረ። (ዘሌዋውያን 23:24፣ 2 ነገስት 11:14) ብተመሳሳሊ እቲ ሕጂ ዮሃንስ ዝሰምዖ ምንፋሕ መለኸት: ናይ ህይወትን ሞትን ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ከመልክተልና ኢዩ።

11. እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ካብ 1919 ክሳብ 1922 እንታይ ኣብ ምድሪ ዝግበር ናይ ምድላው ዕዮ ኢዩ ትሑዝ ዝነበረ፧

11 እቶም መላእኽቲ ነዞም መለኸት እዚኣቶም ክነፍሑ ክዳለዉ ኸለዉ: ነቲ ኣብ ምድሪ ዝግብር ናይ ምድላው ዕዮ እውን መምርሒ ይህቡ ከም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ካብ 1919 ክሳብ 1922 እቲ እንደገና ህያው ዝዀነ ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት እንደገና ንምምሕዳርን ናይ ሕትመት መሳለጥያታት ንምህናጽን ትሑዝ ኢዩ ነይሩ። ብ1919 እታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ምእታዋ ንምቅላዕ ዓቢ ግደ ዘለዋ ቅድም ወርቃዊ መዋእል ሕጂ ኸኣ ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) እትብሃል መለኸት መሰል መሳርሒት: ከም “ናይ ሓቅን ተስፋን ምትእምማንን መጽሔት” ኰይና ክትሕተም ጀመረት።

12. ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምንፋሕ መለኸት እንታይ ኢዩ ዝእወጅ: እንታይ ኣብ ግዜ ሙሴ ዝነበረኸ የዘኻኽረና፧

12 ሕጂ ኸም እንርእዮ: ነፍሲ ወከፍ መለኸት ክንፋሕ ከሎ ንገለ ክፍሊ ናይ ምድሪ ዝትንክፍ ብርቱዕ መዓት ዘለዎ ህያው ትርኢት ክእወጅ ኢዩ። ገለ ካብዚኣቶም ብግዜ ሙሴ የሆዋ ንግብጻውያን ክቐጽዖም ከሎ ዝሰደዶም መዓት የዘኻኽሩና። (ዘጸኣት 7:19–12:32) እዚ መዓት እዚ ኸኣ መግለጺ ፍርዲ የሆዋ ኣብቲ ህዝቢ ኢዩ ነይሩ: ንህዝቢ ኣምላኽ ከኣ ካብ ባርነት ንኽሃድሙ መገዲ ኸፈተ። ብዮሃንስ እተራእዩ መዓታትውን ተመሳሳሊ ነገር ኢዮም ዝፍጽሙ። ይኹን እምበር: ቃል ብቓሉ መዓት ኣይኰኑን። ናይ የሆዋ ጻድቕ ፍርድታት ዝሕብሩ ምልክታት ኢዮም።—ራእይ 1:1

ነቲ “ሲሶ” ምልላይ

13. እቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ መለኸት ምስ ተነፍሑ እንታይ ኢዩ ዝኸውን: እዚኸ እንታይ ሕቶ ኢዩ ዘልዕል፧

13 ክንርእዮ ከም ዝዀንና: እቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ መለኸት ምስ ተነፍሑ: ኣብ ልዕሊ “ሲሶ” ምድርን ባሕርን ርባታትን ዓይኒ ማያትን ምንጪ ብርሃናት ምድርን መዓት ወረደ። (ራእይ 8:7-12) ሲሶ ብዝሕ ዝበለ ክፋል ናይ ሓደ ነገር ኢዩ: ብምሉኡ ግን ኣይኰነን። (ምስ ኢሳይያስ 19:24፣ ህዝቅኤል 5:2፣ ዘካርያስ 13:8, 9 ኣረኣእዮ።) ስለዚ: ብዝያዳ እዚ መዓት እዚ ክወርዶ ዝግብኦ “ሲሶ” ኣየናይ ኢዩ፧ መብዛሕትኡ ወድሰብ ብሰይጣንን ዘርኡን ዒሩን ተባላሽዩን ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15፣ 2 ቈረንቶስ 4:4) እቲ ዅነታት ከምቲ ዳዊት “ኵላቶም ዘምቢሎም: ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም: ገለ ሰናይ ዚገብር የልቦን: ሓደ እኳ የልቦን” ኢሉ ዝገለጾ ኢዩ። (መዝሙር 14:3) እወ: ብምሉኡ ወድሰብ ኣብ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ። ብፍላይ ሓደ ክፋል ካብኡ ግን ገበነኛ ኢዩ። ሓደ ክፋል—“ሲሶ”—ዝያዳ ክፈልጥ ይግብኦ ነይሩ! እዚ “ሲሶ” እዚ እንታይ ኢዩ፧

14. እቲ ካብ የሆዋ ናይ መዓት መልእኽቲ ዝቕበል ምሳልያዊ ሲሶ እንታይ ኢዩ፧

14 ህዝበ-ክርስትያን ኢያ! ኣብ 1920ታት ግዝኣታ ዳርጋ ሲሶ ካብ ወድሰብ ሒዙ ነበረ። ሃይማኖታ ፍረ ናይቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን እተነበዩሉ: ካብ ናይ ሓቂ ክርስትና ዝወጸ ዓቢ ክሕደት ኢዩ። (ማቴዎስ 13:24-30፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30፣ 2 ተሰሎንቄ 2:3፣ 2 ጴጥሮስ 2:1-3) ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ከም ዘለዉ ይዛረቡ: ንገዛእ ርእሶምውን ከም መማህራን ናይ ክርስትና ገይሮም የቕርብዋ። ሰረተ-እምነቶም ግን ካብ ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ሓቂ ኣጸቢቑ ዝረሓቐ ኢዩ: ከምኡውን ንስም ኣምላኽ ብቐጻሊ ኣጽሪፎሞ ኢዮም። ህዝበ-ክርስትያን ነቲ ምሳልያዊ ሲሶ ከተመልክት ብምብቅዓ ካብ የሆዋ ናይ ብርቱዕ መዓት መልእኽቲ ክትቅበል ኢያ። እዚ ሲሶ ወድሰብ እዚ ዝዀነ ይኹን መለኮታዊ ስምረት ኣይግብኦን ኢዩ!

15. (ሀ) ነፍሲ ወከፍ ምንፋሕ መለኸት ንሓደ ፍሉይ ዓመት እተወሰነ ድዩ፧ ግለጾ። (ለ) ፍርዲ የሆዋ ንምእዋጅ ምስቲ ክፍሊ ዮሃንስ ናይ መን ድምጺ ኢዩ እተወሰኸ፧

15 ምስቲ ናይ ምንፋሕ መለኸት ተኸታታሊ ተርታ ዝሰማማዕ: ኣብ ሸውዓተ ዓበይቲ ኣኼባታት ካብ 1922 ክሳብ 1928 ፍሉይ ውሳነታት ተመሓላለፈ። እቲ ምንፋሕ መለኸት ግን ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ጥራይ ኣይተወሰነን። መዓልቲ ጐይታ እናሰጐመ ክኸይድ ከሎ: ንእኩይ መገድታት ህዝበ-ክርስትያን ምቅላዕ ይቕጽል ኣሎ። ዓለምለኸ ጽልእን መስጐግትን እኳ እንተሎ ፍርድታት የሆዋ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዅሎም ህዝብታት ክእወጅ ኣለዎ። ሽዑ ጥራይ ከኣ ኢዩ ናይ ሰይጣን ኣገባብ መወዳእታ ዝመጽእ። (ማርቆስ 13:10, 13) እቶም ዓቢ ጭፍራ ነዚ ከም ነጕዲ ዝጥዕም ዓለምለኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምልክታታት ንምንጋር: ድምጾም ምስቲ ክፍሊ ዮሃንስ ምውሳኾም ዘሐጕስ ኢዩ።

ሲሶ ምድሪ ነደደ

16. እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸቱ ምስ ነፍሐ እንታይ ሰዓበ፧

16 ብዛዕባ እቶም መላእኽቲ ጸብጻብ ክህብ ከሎ ዮሃንስ ከምዚ ይብል:- “እቲ ቐዳማይ መልአኽ መለኸት ነፍሔ እሞ ደም እተሖሶ በረድን ሓውን ኰነ: ናብ ምድሪውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ: ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ: ብዘሎ ለምለም ሳዕሪ ድማ ነደደ።” (ራእይ 8:7) እዚ ምስቲ ኣብ ግብጺ ዝወረደ ሻውዓይ መዓት ይመሳሰል: ነዚ ግዜና ግን እንታይ ማለት ኢዩ፧—ዘጸኣት 9:24

17. (ሀ) እታ ኣብ ራእይ 8:7 ዘላ “ምድሪ” እትብል ቃል እንታይ ኢያ እተመልክት፧ (ለ) ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሲሶ ምድሪ ብኸመይ ኢዩ ዝነደደ፧

17 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ምድሪ” እትብል ቃል ብዙሕ ግዜ ንደቅሰብ ኢያ እተመልክት። (ዘፍጥረት 11:1፣ መዝሙር 96:1) እቲ ኻልኣይ መዓት ኣብቲ ንደቅሰብ ዘመልክት ባሕሪ ስለ ዝወርድ: እቲ “ምድሪ” ነቲ ሰይጣን ዝሃነጾ ድሕሪ ቅሩብውን ዝጠፍእ ጽኑዕ ዝመስል ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ከመልክት ኣለዎ። (2 ጴጥሮስ 3:7፣ ራእይ 21:1) እቲ ናይ መዓት ትርኢት: ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሲሶ ምድሪ በቲ ስምረት የሆዋ ብምስኣን ዝስዕብ ብርቱዕ ዋዒ ሓሪራ ምዃና ይገልጽ። እቶም ከም ኣእዋም ኣብ ማእከላ ደው ዝበሉ ምርኡያታ ኸኣ ናይ የሆዋ ፍርዲ ጥፍኣት ብምእዋጁ ክነዱ ኢዮም። እቶም ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣባላታ: ንናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖት ምድጋፍ እንተድኣ ቀጺሎም ከም ዝሓረረ ሳዕሪ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብመንፈስ ክቕምስሉ ኢዮም።—መዝሙር 37:1, 2 a ኣረኣእዮ።

18. ኣብቲ ብ1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት እትገብረ ዓቢ ኣኼባ እቲ ናይ የሆዋ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ብኸመይ ተኣወጀ፧

18 እዚ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝበጽሕ፧ ብሓፈሽኡ በቲ ክፍሊ ዓለም ዝዀነ: ብዙሕ ግዜ ኸኣ ነቲ “ባርያ” ኣምላኽ ዝወቅስ ናይ ዓለም ማዕከናት ዜና ኣይኰነን። (ማቴዎስ 24:45) እዚ ኣብቲ ብ10 መስከረም 1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት ኦሃዮ እተገብረ ካልኣይ ታሪኻዊ ምእካብ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ብርኡይ መገዲ ተኣወጀ። ሽዑ ብሓደ ሓሳብን ብምዉቕ ስምዒትን ነቲ “ብድሆ ንመራሕቲ ዓለም” ዘርእስቱ ውሳነ ተቐበልዎ። ብግልጺ ኣዘራርባ ነቲ ዘመናዊ ምሳልያዊ ምድሪ: ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቕዎ:- “ንዅሎም ህዝብታት ምድርን ንገዛእቶምን ንመራሕቶምን: ከምኡውን ንዅሎም ኣቕሽሽቲ ቤተ-ክርስትያናት ናይተን ኣብ ምድሪ ዘለዋ ሃይማኖታትን ሰዓብተንን ደገፍተንን: ንዓበይቲ ነጋዶን ፍሉጣት ፖለቲካውያንን: ንምድሪ ሰላምን ብልጽግናን ከም እትረክብ ክገብርዋ: ሓጐስ ከኣ ንደቅሰብ ከምጽኡሎም ዝወስድዎ ኣቕዋም መረጋገጺኦም ከቕርቡ ንዕድሞም ኣሎና፣ ከምዚ ክገብሩ ዘይክእሉ እንተድኣ ዀይኖም ግን: ነቲ ከም መሰኻኽር ጐይታ እንህቦ ምስክርነት ክሰምዕዎ እሞ: ምስክርነትና ሓቂ ወይ ጌጋ ምዃኑ ባዕላቶም ክዛረቡ ንዕድሞም ኣሎና።”

19. ህዝቢ ኣምላኽ ንህዝበ-ክርስትያን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምስክርነት ኢዮም ኣብጺሖምላ፧

19 እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም እንታይ ምስክርነት ኢዮም ዝሃቡ፧ “ናይቲ መሲሕ መንግስቲ ንዅሉ ሕማማት ደቅሰብ ክትፍውስ ከምኡውን ኣብ ምድሪ ሰላም: ንሰባት ከአ ስምረት ከተምጽእ ምዃና ንኣምንን ንእውጅን ኣሎና: እዚ ኸኣ ናይ ኵሎም ህዝብታት ባህጊ ኢዩ፣ እቶም ገዛእ ርእሶም ኣብ ትሕቲ እታ ሕጂ ዝጀመረት ጽድቃዊት ግዝኣቱ ከግዝኡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ብነባሪ ሰላም: ህይወት: ናጽነት: ከምኡውን ብመወዳእታ ዘይብሉ ሓጐስ ክባረኹ ኢዮም” ዝብል ኢዩ። ኣብዚ ሰብኣውያን መንግስታት: ብሕልፊ ኸኣ እተን ናይ ህዝበ-ክርስትያን: ነቲ ናይ ዓለም ሽግራት ክፈትሓ ፈጺመን ዘይከኣላሉ ብልሹው እዋን: እቲ ናይ መለኸት ምንፋሕ ብድሆ ካብቲ ብ1922 ዝነበሮ ብዝበለጸ ሓይሊ ይስማዕ ኣሎ። እታ ኣብ ኢድ እቲ ዝስዕር ክርስቶስ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ሓንትን እንኮን ተስፋ ናይ ደቅሰብ ምዃናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ!

20. (ሀ) ብ1922 ከምኡውን ብድሕሪኡ ጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ብምንታይ ገይራ ኢያ ናይ ፍርዲ መልእኽትታት ዝነገረት፧ (ለ) እቲ ቐዳማይ መለኸት ምስ ተነፍሐ ህዝበ-ክርስትያን እንታይ ኰነት፧

20 ውሳነታት: ትራክትታት: ንኣሽቱ መጻሕፍቲ: መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ከምኡውን ዝርርባት ብምጥቃም እዝን ስዒቡ ዝመጸ ኣዋጃትን ብጉባኤ ቅቡኣት ክርስትያናት ተነግረ። እቲ ቐዳማይ መለኸት ምስ ተነፍሐ ህዝበ-ክርስትያን ልክዕ ብብርቱዕ በረድ ከም እተቐጥቀጠት ኰነት። ኣብ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ውግኣት ብምሕባራ ዝነበራ ናይ ደም ገበን ተቓልዐ: ከምኡውን እቲ ርሱን ቍጥዓ የሆዋ ከም ዝግብኣ ኣርኣየት። እቶም ክፍሊ ዮሃንስ በቶም ድሓር ዝሰዓቡ ዓቢ ጭፍራ ተደጊፎም: እቲ የሆዋ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዎ ኣረኣእያ: እዚ ኸኣ ክትጠፍእ ዝግብኣ ምዃና: ከም ዝስትብሃል እናገበሩ ንደሃይ ናይቲ ቐዳማይ መለኸት ምቅላሕ ቀጺሎም ኢዮም።—ራእይ 7:9, 15

ከም ዝነድድ ከረን

21. እቲ ኻልኣይ መልኣኽ መለኸቱ ምስ ነፍሐ እንታይ ይኸውን፧

21 “እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ: ከም ከረን ዝበለ ነዳዲ ሓዊ ድማ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ኸኣ ደም ኰነ። ሲሶ እቲ ኣብ ባሕሪ ዚነብር ነፍሲ ዘለዎ ፍጡር ድማ ሞተ: ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ።” (ራእይ 8:8, 9) እዚ መፍርሂ ትርኢት እዚ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

22, 23. (ሀ) ብዘይጥርጥር ንድሃይ ናይቲ ካልኣይ መለኸት ስዒቡ ዝመጸ እንታይ ውሳነ ኢዩ፧ (ለ) “ሲሶ ባሕሪ” እንታይ የመልክት፧

22 ነዚ ምስቲ ኣብ ሎስ አንጅልስ ካሊፎርንያ: ሕ.መ.ኣ. ካብ 18-26 ነሓሰ 1923 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ናይ ህዝቢ የሆዋ እተረኽበ ሓበሬታ ብምምስሳል ኣጸቢቕና ክንርድኦ ንኽእል ኢና። እቲ ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ብጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ እተዋህበ ዝርርብ “ኣጣልን ኣባጊዕን” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። እተን ኣባጊዕ ንምድራዊ ግዝኣት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዝወርሱ ናይ ጽድቂ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ምዃኖም ብግልጺ ተፈልጠ። እቲ ስዒቡ ዝመጸ ውሳነ ኸኣ: ናብ ግብዝና ናይቶም “ክሓድቲ ኣቕሽሽቲ ከምኡውን ናይቶም ‘ኣብ መጓሰኦም ቀንዲ ኣባላት’ ዝዀኑ ብርቱዕ ፋይናንሳውን ፖለቲካውን ጽልዋ ዘለዎም ዓለማውያን ሰባት” ኣተኰረ። እቲ ውሳነ “ነቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያናት ናይተን ኣብ ምድሪ ዘለዋ ሃይማኖታት ዘለዉ ሰላምን ስርዓትን ዘፍቅሩ ብዙሓት ሰባት . . . ንገዛእ ርእሶም ካብቲ ጐይታ: ‘ባቢሎን’ ኢሉ ዝጽውዖ ሓጥእ ዝዀነ ናይ ቤተ-ክርስትያናት ስርዓት ከውጽኡ” ዕድመ ኣቕረበ።

23 እዚ ውሳነ እዚ ንድሃይ ናይቲ ኻልኣይ መለኸት ስዒቡ ዝመጸ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቶም ነቲ መልእኽቲ እቲ ብግቡእ ምላሽ ዝህቡ ካብቶም ኢሳይያስ “እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪ እዮም: ኪሀድእ አይክእልን እዩ እሞ: ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ” ብዝብላ ቃላት ዝገለጾም ክፍለዩ ኢዮም። (ኢሳይያስ 57:20፣ 17:12, 13) በዚ ኸምዚ: “ባሕሪ” ነቲ ህውከትን ናዕብን ዘለዓዕል ዕረፍቲ ዘይብሉ: ዘይረግአ: ከምኡውን ዓለወኛ ዝዀነ ወድሰብ ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ ኢዩ። (ምስ ራእይ 13:1 ኣረኣእዮ።) እቲ “ባሕሪ” እቲ ዘይህልወሉ ግዜ ክመጽእ ኢዩ። (ራእይ 21:1) ክሳዕ ሽዑ: ነቲ ኻልአይ መለኸት ብምንፋሕ የሆዋ ኣንጻር እቲ ሲሶ—እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ህዝበ-ክርስትያን ዘሎ ዘይእዘዝ ክፍሊ—ፍርዲ ክእውጅ ኢዩ።

24. እቲ ናብ ባሕሪ እተደርበየ ከም ዓቢ ከረን ዝመስል ኵምራ ዝነድድ ሓዊ እንታይ የመልክት፧

24 ከም ዓቢ ከረን ዝመስል ኵምራ ዝነድድ ሓዊ ናብዚ “ባሕሪ” እዚ ተደርበየ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግዜ ኣኽራን ንመንግስታት ኢዩ ዘመልክት። ንኣብነት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸረን ኢያ ተመሲላ ዘላ። (ዳንኤል 2:35, 44) እታ ዝጠፍአት ባቢሎን ‘ዝሓረረ ኸረን’ ኰነት። (ኤርምያስ 51:25) እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ኵምራ ከረን ግን ገና ይነድድ ኢዩ ዘሎ። ናብ ባሕሪ ምድርባዩ ኸኣ ብግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ብድሕሪኡን ኣብ መንጎ ወድሰብ ብሕልፊ ኣብ ሃገራት ናይ ህዝበ-ክርስትያን: ሕቶ ናይ መንግስቲ ርሱን ክርክር ከም ዝዀነ የመልክት። ኣብ ኢጣልያ ሙሶሊኒ ፋሺዝም ኣቘመ። ጀርመን ናይ ሂትለር ናዚዝም ተቐበለት: ካልኦት ሃገራት ድማ በበይኑ ዝዓይነቱ ሶሻሊዝም ፈተና። ኣብ ሩስያ እቲ ናይ ቦልሸቪክ ሰውራ ናይ መጀመርታ ኮሙኒስት ሃገር ብምምጽኡ መሰረታዊ ለውጢ ተራእየ፣ ሳዕቤኑ ኸኣ መራሕቲ ሃይማኖት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብቲ ቅድም ሓደ ካብ ዕርድታቶም ዝነበረ ቦታ ሓይልን ጽልዋን ኣጥፍኡ።

25. ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም መንግስቲ ርሱን ክርክር ዘልዕል ኰይኑ ዝቐጸለ ብኸመይ ኢዩ፧

25 ናይ ፋሺስት ከምኡውን ናይ ናዚ ኣገዛዝኣ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተደምሰሰ: መንግስቲ ግን ርሱን ክርክር ዘልዕል ኰይኑ ቀጸለ: እቲ ሰብኣዊ ባሕሪ ኸኣ ብሰውራ ዝቘማ ሓደስቲ መንግስታት ምልዕዓልን ምግልባጥን ቀጸለ። እዚ: ኣብቲ ድሕሪ 1945 ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ናብ ከም ብዓል ቻይና: ቬትናም: ኪዩባ: ከምኡውን ኒካራግዋ ዝኣመሰላ ሃገራት ተኣታተወ። ኣብ ግሪኽ ናይ ወተሃደራዊ ውልቀ-መላኽነት እተገብረ ፈተነ ፈሸለ። ኣብ ካምፖቻ (ካምቦድያ) ናይ ኮሙኒዝም ጥሩፍነት ንምትእትታው ኣብ እተገብረ ፈተነ ብጸብጻብ እተነግረ ናይ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ሞት ኣስዓበ።

26. እቲ “ከም ከረን ዝበለ ነዳዲ ሓዊ” ኣብቲ ናይ ወድሰብ ባሕሪ ማዕበል ምፍጣር ዝቐጸለ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

26 እቲ “ከም ከረን ዝበለ ነዳዲ ሓዊ” ኣብቲ ናይ ወድሰብ ባሕሪ ማዕበል ምግባሩ ቀጺሉ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን እስያን ደሴታት ሰላማዊ ውቅያኖስን ቃልሲ ምስ መንግስቲ ከም ዘሎ ጸብጻብ ይነግር። ዝበዝሕ ካብዚ ቃልስታት እዚ: ኣብቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ዝዀነ ሃገራት ወይ ከኣ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሚስዮናውያን ንጡፋት ዝዀኑሉ ቦታታት ኢዩ ተገይሩ። ናይ ሮማ ካቶሊክ ካህናት ናይ ኮሙኒስት ደባይ ተዋጋእቲ ጕጅለታት ኣባላት ብምዃን እውን ከይተረፈ ተዋጊኦም ኢዮም። ናይ ፕሮተስታንት ወንጌላውያን ጕጅለ ኸኣ: ነቲ ናይ ኮሙኒስት “እኩይን ጨካንን ጽምኢ ስልጣን” ኢሎም ዝጽውዕዎ ንኽቃወሙ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ተላዕሉ። ዋላ ሓደ ካብዚ ኣብ ናይ ወድሰብ ባሕሪ ዘሎ ዕግርግራት ግን ሰላምን ድሕንነትን ኣየምጽአን።—ምስ ኢሳይያስ 25:10-12 ፣ 1 ተሰሎንቄ 5:3 ኣረኣእዮ።

27. (ሀ) “ሲሶ ባሕሪ” ደም ዝዀነ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ (ለ) ‘ሲሶ ናይቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ፍጡር’ ዝመውት ብኸመይ ኢዩ: ‘ሲሶ መራኽብከ’ መወዳእትአን ከመይ ክኸውን ኢዩ፧

27 ምንፋሕ ናይቲ ካልኣይ መለኸት: እቶም ኣብ ክንዲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝግዝኡ ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ ዝግበር ናይ ሰውራ ምግርጫዋት ኢዶም ዘእትዉ ሰባት: ናይ ደም ገበነኛታት ምዃኖም ገለጸ። ብሕልፊ ኸኣ ናይ ህዝበ-ክርስትያን “ሲሶ ባሕሪ” ከም ደም ኰይኑ ኢዩ። ኵሎም እቶም ኣብኣ ዘለዉ ህያዋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምዉታት ኢዮም። ካብተን ከም መራኽብ ኣብ ልዕሊ እቲ ሲሶ ባሕሪ ዝንሳፈፋ ዘለዋ መሰረታውያን ማሕበራት: ሓንቲ እውን ትኹን ካብቲ ናይ መወዳእታ ምስባር መርከብ ከተምልጥ እትኽእል የላን። ሕጂ ነቲ ካብቶም ኣብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ናይ ሃገራዊ ስምዒትን ገበን ደም ናይቲ ባሕርን ዘንገርግሩ ዘለዉ ሰባት ተፈለዩ ዝብል ከም ደሃይ መለኸት ዝጥዕም መጸዋዕታ: ብሚልዩናት ዝቝጸሩ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ይሰምዕዎ ብምህላዎም ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንሕጐስ!

ኰዀብ ካብ ሰማይ ይወድቕ

28. እቲ ሳልሳይ መልኣኽ መለኸት ምስ ነፍሐ እንታይ ኰነ፧

28 “እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከኣ መለኸት ነፍሔ: ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ: ኣብ ሲሶ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ። ስም እቲ ኰዀብ ድማ ምረት እዩ ዚብሀል: ሲሶ ማያት ከኣ መረረ: መሪር ብምዃኑውን ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰብ ሞቱ።” (ራእይ 8:10, 11) ሕጅውን እንደገና ካልእ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ጥቕሲ እዚ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ከመይ ኢሉ ከም ዝውዕል ክንርኢ ይሕግዘና።

29. መፈጸምታ ናይቲ ‘ከም መብራህቲ ዝነድድ ዓብዪ ኰዀብ’ እንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧

29 ምሳልያዊ ትርጕም ናይ ኰዀብ: ኣብቲ የሱስ ነተን ሸውዓተ ማሕበራት ዝለኣኸለን መልእኽቲ ድሮ ርኢና ኣሎና፣ እቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ሸውዓተ ከዋኽብቲ ነቶም ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ ሽማግለታት ኢዩ ዘመልክት። b (ራእይ 1:20) እቶም ቅቡኣት “ከዋኽብቲ” ምስ ኵሎም እቶም ዝተረፉ ካልኦት ቅቡኣት ካብቲ ከም መርኣዪ ናይ ሰማያዊ ውርሽኦም ብመንፈስ ቅዱስ እተሓትምሉ ግዜ ኣትሒዞም ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ኣብ ሰማያዊ ቦታ ኢዮም ዝነብሩ። (ኤፌሶን 2:6, 7) ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጳውሎስ ካብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ከዋኽብቲ መሰል ሰባት: ነቲ መጓሰ ዘስሕቱ ከሓድትን ኣንቆራታትን ክመጹ ከም ዝዀኑ ኣጠንቀቐ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) እዚ ኸምዚ ዝበለ ዘይተኣማንነት ዓቢ ክሕደት ኣስዓበ: እዞም ዝወደቑ ሽማግለታት ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ወድሰብ ንርእሱ ኣብ ናይ ኣምላኽ ቦታ ሓፍ ዘብል: ካብ እተፈላለየ ክፍልታት ዝመጸ ሰብኣይ ዓመጻ ኣቘሙ። (2 ተሰሎንቄ 2:3, 4) ናይ ጳውሎስ መጠንቀቕታ ኸኣ ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ናይ ዓለም ትርኢት ክቕልቀሉ ምስ ጀመሩ ተፈጸመ። እዚ ጕጅለ እዚ ‘ከም መብራህቲ ዝነድድ ዓቢ ኰዀብ’ ክምሰል ግቡእ ኢዩ።

30. (ሀ) ንንጉስ ባቢሎን ካብ ሰማይ ከም ዝወደቐ ክዝረበሉ ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ካብ ሰማይ ምውዳቕ እንታይ ከመልክት ይኽእል፧

30 ዮሃንስ ነዚ ፍልይ ዝበለ ኰዀብ እዚ ካብ ሰማይ ክወድቕ ከሎ ረኣዮ። ብኸመይ፧ ተመክሮ ናይ ሓደ ጥንታዊ ንጉስ ነዚ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ። ንንጉስ ባቢሎን ክዛረቦ ኸሎ ኢሳይያስ ከምዚ በለ:- “ኣየ: ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ: ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ: ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ: ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ።” (ኢሳይያስ 14:12) ባቢሎን ብሰራዊት ቂሮስ ምስ ተሳዕረት: ንጉሳ ድማ ካብ ናይ ሓይሊ ዓለም ገዛኢ ናብ ዘሕፍር ስዕረት ምስ ወደቐ እዚ ትንቢት እዚ ተፈጸመ። በዚ ኸምዚ ካብ ሰማይ ምውዳቕ ክብ ዝበለ ቦታ ምጥፋእን ናብ ውርደት ምውዳቕን ከመልክት ይኽእል ኢዩ።

31. (ሀ) ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን መዓስ ኢዮም ካብ “ሰማያት” ዝወደቑ፧ (ለ) እቲ ኣቕሽሽቲ ዝቕርብዎ ማያት ናብ “ምረት” እተቐየረ ከመይ ኢሉ ኢዩ: ንብዙሓትከ እንታይ ኣስዓበሎም፧

31 ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ካብ ናይ ሓቂ ክርስትና ክሒዶም ምስ ወጹ: ካብቲ ብጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 2:6, 7 ተገሊጹ ዘሎ ልዕል ዝበለ ቦታ “ሰማያት” ወደቑ። ኣብ ክንዲ ሓድሽ ማይ ናይ ሓቂ ዝህቡ: ከም ሲኦል ሓዊ: መንጽሂ ቦታ: ስላሴ: ዕድሎት ዝኣመሰለ “ምረት:” መሪር ሓሶት ኢዮም ኣቕሪቦም፣ ኣብ ርእሲ እዚውን ንህዝብታት ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ዘለዎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ገይሮም ኣብ ክንዲ ዝሃንጽዎም ናብ ውግእ ከይተረፈ መርሕዎም። ሳዕቤኑኸ፧ መንፈሳዊ ምምራዝ ናይቶም ነቲ ሓሶት ዝኣመንዎ ኣምጽአ። ጕዳዮም ምስቶም ኣብ ግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ዘይእሙናት እስራኤላውያን ይመሳሰል: ነዚኣቶም የሆዋ ከምዚ በሎም:- “እነሆ: ኣነ ነዚ ህዝቢ እዚ መሪር ከብልዖ: ማይ ስሚ ኸኣ ከስትዮ እየ። ካብቶም ነብያት የሩሳሌም ረሲእነት ኣብ ኵላ እታ ሃገር ተዘርጊሑ እዩ።”—ኤርምያስ 9:15፣ 23:15

32. ናይ ህዝበ-ክርስትያን ካብ መንፈሳዊ ሰማይ ምውዳቕ እተገልጸ መዓስ ኢዩ: ብኸመይከ ተጋህደ፧

32 እዚ ካብ መንፈሳዊ ሰማይ ምውዳቕ እዚ: እቶም ሒደት ተረፍ ክርስትያናት ኣብ ክንዲ ኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብቲ ናይታ መንግስቲ ረብሓታት ምስ ተመዘዙ ብ1919 ተጋህደ። (ማቴዎስ 24:45-47) ካብ 1922 ኣትሒዙ እዞም ሒደት ጕጅለ ክርስትያናት እዚኣቶም ብግልጺ ውድቀት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ንምግላጽ ወፈርኦም ምስ ኣሐደስዎ እዚ ውድቀት እዚ ተጋሂዱ ኢዩ።

33. ኣብቲ ብ1924 ኣብ ኮሎምቦስ: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ዓቢ ኣኼባ: እንታይ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ምቅላዕ ኢዩ እተገብረ፧

33 ምስ እዚ እተተሓሓዘ: ኣብ ሓደ ዓቢ ኣኼባ እተመሓላለፈ ኣዋጅ ሓለፍ ዝበለ ኢዩ ነይሩ፣ መጽሔት ወርቃዊ መዋእል (እንግሊዝኛ) ነዚ “ኣብ መዋእላት ብተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተገብረ ዝዓበየ ኣኼባ” ኢሉ ገለጾ። እዚ ዓቢ ኣኼባ እዚ ኣብ ኮሎምቦስ: ኦሃዮ ካብ 20-27 ሓምለ 1924 ተገብረ። ብዘይጥርጥር ብመሪሕነት ናይቲ ሳልሳይ ማሕተም ዝነፍሐ መልኣኽ: ሓያል ውሳነ ተመሓላለፈ: ጸኒሑውን 50 ሚልዮን ቅዳሓት ብመልክዕ ትራክት ተዓደለ። ኣቕሽሽቲ ተኸሲሶም (እንግሊዝኛ) ብዝብል ኣርእስቲ ኢዩ ተሓቲሙ ነይሩ። ሓደ ንኡስ ኣርእስቲ ኸኣ ነቲ ክርክር ከምዚ ኢሉ ኣቕረቦ:- “መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ: ኣንጻር ዘርኢ እቲ ተመን።” ክብ ዝበለ ሃይማኖታዊ መዓርግ ብምውሳዶም: ኣውራታት ናይ መጓሰኦም ድማ ዓበይቲ ነጋዶን ናይ ፖለቲካ ሰብ ሞያን ብምግባሮም: ኣብ ቅድሚ ሰባት ከንጸባርቑ ብምድላዮም: ከምኡውን ንሰባት መልእኽቲ ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ክሰብኩሎም ብምእባዮም: እቲ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ኣቃልዖም። ነፍሲ ወከፍ እተወፈየ ክርስትያን ‘መዓልቲ ሕነ ኣምላኽና ክእውጅ: ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ’ ብኣምላኽ ከም እተመዘዘ ኣጕልሐ።—ኢሳይያስ 61:2

34, 35. (ሀ) እቲ ሳልሳይ መልኣኽ መለኸቱ ክነፍሕ ካብ ዝጅምር ናይ ኣቕሽሽቲ ሓይልን ጽልዋን እንታይ ኰነ፧ (ለ) መጻኢ ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

34 እቲ ሳልሳይ መልኣኽ መለኸቱ ክነፍሕ ካብ ዝጅምር: እቲ ኣቕሽሽቲ ኣብ መንጎ ደቅሰብ ዝነበሮም ናይ ዓብላልነት ቦታ እናጐደለ ይኸይድ ኣሎ: ኣብዚ መዋእል እዚ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት ዘስተማቕርዎ ዝነበሩ ከም ናይ ኣምላኽ ዝመስል ሓይሊ ዝረኽቡ ሒደት ካብኦም ጥራይ ኢዮም። ብሳላ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰባት እቲ ኣቕሽሽቲ ዝምህርዎ ሰረተ-እምነት መንፈሳዊ ስሚ—“ምረት”—ከም ዝዀነ ኣስተብሂሎም ኢዮም። ብተወሳኺ ናይ ኣቕሽሽቲ ሓይሊ ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ዳርጋ ጠፊኡ ኢዩ: ኣብ ካልኦት ሃገራት እንተ ርኢና ኸኣ መንግስቲ ጽልውኦም ብጥብቂ ሓጺርዎ ኢዩ። ኣብቲ ካቶሊክ ዝዀነ ክፍልታት ናይ ኣውሮጳን ኣመሪካን እቲ ኣቕሽሽቲ ኣብ ፋይናንሲያዊ: ፖለቲካዊ: ከምኡውን ስነ-ምግባራዊ ጉዳያት ዘለዎም ሕማቕ ተግባራት: ስሞም ከም ዝባላሾ ገይርዎ ኢዩ። ከምቲ ንዅሎም ካልኦት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘጋጥሞም ስቓይ ክበጽሖም ስለ ዝዀነ: ካብ ሎሚ ንድሓር ቦትኦም እናተበላሸወ ጥራይ ኢዩ ዝኸይድ።—ራእይ 18:21፣ 19:2

35 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ህዝበ-ክርስትያን መዓት ምውራዱ ገና ኣይወድአን። እቲ ራብዓይ መለኸት ምስ ተነፍሕ እንታይ ከም ዝኸውን ርአ።

ጸልማት!

36. እቲ ራብዓይ መልኣኽ መለኸቱ ምስ ነፍሐ እንታይ ይኸውን፧

36 “እቲ ራብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ: ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምት: መዓልቲ ሲሶኣ ምእንቲ ኸይበርህሲ ለይቲውን ከምኣ ሲሶ ጸሓይን ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኸብትን ተወቕዔ።” (ራእይ 8:12) እቲ ኣብ ግብጺ ዝወረደ ታሽዓይ መዓት ቃል ብቓሉ ጸልማት ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 10:21-29) እዚ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወርድ ናይ ምሳልያዊ ጸልማት መዓት ግን እንታይ ኢዩ፧

37. ሃዋርያ ጴጥሮስን ጳውሎስን መንፈሳዊ ኵነታት ናይቶም ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዝነበሩ ብኸመይ ገለጽዎ፧

37 ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ: ክርስትያናት ቅድሚ ምዃኖም ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ኣብ ጸልማት ከም ዝነበሩ ነገሮም። (1 ጴጥሮስ 2:9) ጳውሎስውን መንፈሳዊ ኵነታት ናይቶም ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዝነበሩ ንምግላጽ ነዛ “ጸልማት” እትብል ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። (ኤፌሶን 5:8፣ 6:12፣ ቈሎሴ 1:13፣ 1 ተሰሎንቄ 5:4, 5) ብዛዕባ እቶም ብኣምላኽ ንኣምን: ንየሱስውን ከም መድሓኒና ንቕበሎ ኢና ዝብሉ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉኸ እንታይ ይበሃል፧

38. እቲ ራብዓይ መልኣኽ ብዛዕባ ‘ብርሃን’ ናይ ህዝበ-ክርስትያን እንታይ ኢዩ ዝእውጅ፧

38 የሱስ: እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍሪኦም ከም ዝልለዩ: ዝበዝሑ ካብቶም ሰዓብቱ ኢና ዝብሉ ድማ “ገበርቲ ዓመጻ” ከም ዝዀኑ ተዛረበ። (ማቴዎስ 7:15-23) ፍረ ናይቲ ብህዝበ-ክርስትያን እተታሕዘ ሲሶ ምድሪ ብምርኣይ: ኣብ ዓቢ መንፈሳዊ ጸልማት ጠንበርበር ትብል ከም ዘላ ዝስሕቶ ዋላ ሓደ የለን። (2 ቈረንቶስ 4:4) ክርስትያን ኢየ ስለ እትብል ኣዝያ ክትውቀስ ዝግብኣ ኢዩ። እምኣርከስ እቲ ራብዓይ መልኣኽ መለኸት ነፊሑ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ‘ብርሃን’ ጸልማት ምዃኑ: “ብርሃን” እትረኽበሉ ምንጪ ኸኣ ባቢሎናዊ ደኣ እምበር ክርስትያናዊ ከም ዘይኰነ ክእውጅሲ ብሓቂ ግቡእ ኢዩ።—ማርቆስ 13:22, 23፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4

39. (ሀ) ኣብቲ ብ1925 እተገብረ ዓቢ ኣኼባ እተቐበልዎ ውሳነ: ነቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ናይ ሓሶት ብርሃን ብኸመይ ይገልጾ፧ (ለ) ብ1955 እንታይ ተወሳኺ ምቅላዕ ኢዩ እተገብረ፧

39 ምስ እዚ ሰማያዊ ኣዋጅ እዚ ብምስምማዕ ብ29 ነሓሰ 1925 ኣብ ኢንዲያናፖሊስ: ኢንድያና: ሕ.መ.ኣ. ነቲ መአከቢ ዝመልኡ ጭፍራ ህዝቢ ኣምላኽ ዓቢ ኣኼባ ገበሩ እሞ: ነቲ “ናይ ተስፋ መልእኽቲ” ኣብ ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ጽሑፍ ዝወጸ ቅኑዕ ውሳነ ተቐበልዎ። እንደገና ኸኣ: ገለ 50 ሚልዮን ቅዳሓት ብብዙሕ ቋንቋታት ተዓደለ። እዚ ድማ ነቲ ‘ሰባት ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ዝወደቑሉ’ ብናይ ንግዲ ተበለጽቲ: ብፖለቲካውያን መራሕቲ: ከምኡውን ብናይ ሃይማኖት ኣቕሽሽቲ ዝቐረበ ናይ ሓሶት ብርሃን ገለጾ። መንግስቲ ኣምላኽ “ናይ ሰላም: ብልጽግና: ጥዕና: ህይወት: ናጽነትን ዘለኣለማዊ ሓጐስን በረኸታት” ንምርካብ ናይ ሓቂ ተስፋ ከም ዝዀነት እውን ኣመልከተ። እዞም ሒደት ጕጅለ ቅቡኣት ክርስትያናት ከምዚ ዝበለ መልእኽትታት ኣንጻር እዛ ዓባይ ማሕበር ናይ ህዝበ-ክርስትያን ክእውጁ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። ካብ መጀመርታ ናይ 1920ታት ክሳዕ ሎሚ ግን ብቐጻሊ ከምኡ ገይሮም ኢዮም። ኣብዚ ቐረባ እዋናት: ብ1955 ነታ ህዝበ-ክርትያን ወይስ ክርስትና—ኣየናይ ኢዩ “ብርሃን ዓለም” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ብብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ብዘላ ዓለም ብምዕዳል: እዚ ክፍሊ ኣቕሽሽቲ እዚ ዝያዳ ከም ዝቃላዕ ተገብረ። ሎሚ ግብዝና ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣዝዩ ግሁድ ስለ ዝዀነ: ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ባዕላቶም ክዕዘብዎ ይኽእሉ ኢዮም። ህዝቢ የሆዋ ግን ናይ ጸልማት መንግስቲ ምዃና እቲ ግብራ ካብ ምቅላዕ ኣየቋረጹን።

ዝዝምቢ ንስሪ

40. ምንፋሕ ናይቶም ኣርባዕተ መለኸት ህዝበ-ክርስትያን እንታይ ምዃና ኢዮም ዘርእዩ፧

40 ምንፋሕ ናይዞም ቀዳሞት ኣርባዕተ መለኸት ነቲ ዝባደመን ሞት ዘስዕብን ኵነታት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ከም ዝፍለጥ ገበረ። እቲ ናታ ዘበለ ክፍሊ “ምድሪ” ፍርዲ የሆዋ ከም ዝግብኦ ተቓልዐ። እቶም ኣብቲ ንሳ ዘላቶን ኣብ ካልእ ሃገራትን ብሰውራ ዝመጹ መንግስታት: ናይ መንፈሳዊ ህይወት ጸላእቲ ምዃኖም ኣርእዮም ኢዮም። እቲ ውዱቕ ኵነታት ናይ ኣቕሽሽታ ግሉጽ ኰነ: እቲ ሓፈሻዊ ጸልማት ናይ መንፈሳዊ ኵነታታ ድማ ኵሎም ምእንቲ ክርእይዎ ተቓልዐ። ካብ ናይ ሰይጣን ኣገባብ እታ ዝያዳ እትውቀስ ህዝበ-ክርስትያን ኢያ።

41. እቲ ብተኸታታሊ ክንፋሕ ዝጸንሐ መለኸት ንሓጺር ግዜ ጠጠው ምስ በለ: ዮሃንስ እንታይ ኢዩ ዝርእን ዝሰምዕን፧

41 ካልእ ዝቃላዕ እንታይ ኣሎ፧ ናይዚ ሕቶ እዚ መልሲ ቅድሚ ምርካብና: እቲ ብተኸታታሊ ክንፋሕ ዝጸንሐ መለኸት ንሓጺር ግዜ ጠጠው ክብል ኢዩ። ዮሃንስ ነቲ ቐጺሉ ዝርእዮ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:- “ርኤኹ ድማ: ሓደ ንስሪ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ዓው ብዝበለ ቓልውን: ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት ናይቶም መለኸት ኪነፍሑ ዘለዎም ሰለስተ መላእኽቲ: ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዘለዉ ወይለኦም: ወይለኦም: ወይለኦም: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።”—ራእይ 8:13

42. እቲ ዝዝምቢ ንስሪኸ እንታይ ከመልክት ይኽእል: መልእኽቱኸ እንታይ ኢዩ፧

42 ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ሰባት ምእንቲ ክርእይዎ ሓደ ንስሪ ልዕል ኢሉ ኣብ ሰማይ ይዝምቢ። ፍልይ ዝበለ ናይ ምርኣይ ክእለት ስለ ዘለዎ ኸኣ: ኣብ ቅድሚኡ ርሑቕ ንዘሎ ክርኢ ይኽእል ኢዩ። (እዮብ 39:29) ሓደ ኻብቶም ኣብ ዙርያ ዝፋን ኣምላኽ ዝርከቡ ኪሩበል ዝመስሉ ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ዝዝምቢ ንስሪ ኢዩ ዝመስል። (ራእይ 4:6, 7) እዚ ኪሩበል እዚ ይኹን ወይ ካልእ ብርሑቕ ዝርኢ ኣገልጋሊ ኣምላኽ: ዓው ኢሉ “ወይለኦም: ወይለኦም: ወይለኦም” ብምባል ይእውጅ! ምንፋሕ ናይቶም ነፍሲ ወከፎም ምስ ሓደ ካብዞም ወዮታት እዚኣቶም እተተሓሓዙ ተሪፎም ዘለዉ ሰለስተ መለኸታት ክስማዕ ከሎ: ተቐማጦ ምድሪ የስተብህሉ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣንጻር ናይዚ: ራእይ 7:16 እቶም ዓቢ ጭፍራ እቲ ስምረት የሆዋ ብምስኣን ዝስዕብ ዘሕርር ዋዒ ከም ዘየጓንፎም ተርኢ።

b እቶም ኣብ የማናይ ኢድ የሱስ ዘለዉ ሸውዓተ ከዋኽብቲ ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ቅቡኣት ተዓዘብቲ ዘመልክቱ ክዀኑ ኸለዉ: እቶም ኣብ መብዝሕትአን ናይተን ዳርጋ 100,000 ዝዀና ኣብ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ዘለዉ ሽማግለታት ግን ካብቶም ዓቢ ጭፍራ ኢዮም። (ራእይ 1:16፣ 7:9) ቦትኦም እንታይ ኢዩ፧ መዝነቶም በቲ እተቐብአ እሙንን ኣስተውዓልን ክፍሊ ባርያ ኣቢሉ ብመንፈስ ቅዱስ ብምዃኑ: ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር የማናይ ኢድ የሱስ ኣለዉ ክብሃሉ ይኽእሉ ኢዮም፣ ምኽንያቱ ንኡሳን ጓሶቱ እውን ኢዮም። (ኢሳይያስ 61:5, 6፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ኣብቲ ብቑዓት ቅቡኣት ኣሕዋት ዘይርከብሉ ብምግልጋሎም ነቶም “ሾብዓተ ኸዋኽብቲ” ይድግፍዎም ኢዮም።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 139 ዘሎ ሰሌዳ]

ናይ ህዝበ-ክርስትያን ማይ ምረት ምዃኑ ተቓልዐ

እምነትን ኣረኣእያን ናይ ህዝበ-ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዝብል

ናይ ኣምላኽ ናይ ብሕቲ ስም ኣድላዪ ኣይኰነን:- የሱስ ስም ኣምላኽ ንኽቕደስ ጸለየ።

“ነቲ ሓደ በይኑ ኣምላኽ ዝዀነ ናይ ተጸውዖ ስም ምጥቃም ጴጥሮስ ከኣ “ስም እግዚኣብሄር

. . . ነታ ዓለምለኻዊት እምነት ናይ ክርስትያናዊት [“የሆዋ:” NW] ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ

ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ዘይግባእ ኢዩ።” ኺድሕን እዩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:21

(መእተዊ ናይ ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርሽን ዮኤል 2:32፣ ማቴዎስ 6:9፣ ዘጸኣት 6:3 NW፣

[እንግሊዝኛ]) ራእይ 4:11፣ ራእይ15:13፣ ራእይ 19:6)

ኣምላክ ስላሴ ኢዩ:- “ኣቦ ኣምላኽ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ካብ የሱስ

ወዲ ኣምላኽ ኢዩ: መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ኢዩ: ከም ዝዓቢ: ኣምላኹን ርእሱን

እንተዀነ ግን ሰለስተ ኣምላኽ ዘይኰኑስ ሓደ ኣምላኽ ኢዩ።” እውን ከም ዝዀነ ይነግር።

(ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፐድያ ናይ 1912) (ዮሃንስ 14:28፣ 20:17፣ 1 ቈረንቶስ 11:3)

መንፈስ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ መስለጢ ሓይሊ ኢዩ።

(ማቴዎስ 3:11፣ ሉቃስ 1:41፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:4)

ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን ኢያ:- “ሰብ ምስ ሞተ ነፍሱን ሰብ ነፍሲ ኢዩ። ኣብ ግዜ ሞት

ስግኡን ይፍለ። ስግኡ . . . ይምሽምሽ . . . ነፍሲ ሰብ ነፍሲ ካብ ምሕሳብ ወይ ከኣ ስምዒት

ግን ኣይትመውትን ኢያ።” (ድሕሪ ሞት እንታይ ኣሎ ካብ ምህላው ተቋርጽ እሞ ናብቲ

[እንግሊዝኛ] ናይ ሮማዊት ካቶሊክ ጽሑፍ) እተፈጠረትሉ መሬት ትምለስ።

(ዘፍጥረት 2:7፣ 3:19፣ መዝሙር 146:3, 4

መክብብ 3:19, 20፣ መክብብ 9:5, 10

ህዝቅኤል 18:4, 20)

እኩያት ምስ ሞቱ ኣብ ሲኦል ሓዊ ይቕጽዑ:- ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ኢዩ እምበር ንዘለኣለም

“ብመሰረት ባህላዊ ክርስትያናዊ እምነት: ምስቓይ ኣይኰነን። (ሮሜ 6:23) ምዉታት

ሲኦል ቦታ ናይ ዘይውዳእ ጭንቀትን ስቓይን ኢዩ።” ኣብ ሲኦል (ሃደስ: ሽኦል) ኢዮም ዘለዉ:

(ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ: ናይ 1987 ሕታም) ኣይርእዩ ኣይሰምዑ ትንሳኤ ኢዮም ዝጽበዩ።

(መዝሙር 89:48፣ ዮሃንስ 5:28, 29፣ ዮሃንስ 11:24, 25፣ ራእይ 20:13, 14)

“መዓርግ ናይ ሜድያትሪክስ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ሓደ

(ኣንስተይቲ ማእከላይ) ናብ ማእከላይ የሱስ ጥራይ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:6

እመቤታችን ኢዩ ዝውዕል።” 1 ጢሞቴዎስ 2:5፣ እብራውያን 9:15

(ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ: ናይ 1967 ሕታም) እብ 12:24)

ሕጻናት ክጥመቑ ኣለዎም:- ጥምቀት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑን

“ካብ መጀመርታ ኣትሒዛ ቤተ-ክርስትያን ትእዛዛት ናይ የሱስ ክፍጽሙ እተማህሩን ኢዩ።

ነቲ ናይ ጥምቀት ስርዓት ኣብ ቈልዑ ሓደ ሰብ ንጥምቀት ክበቅዕ ቃል ኣምላኽ

ኣውዒላቶ ኢያ። እዚ ተግባር እዚ ሕጋዊ ክርድኦን እምነት ከርእን ይግብኦ።

ገይርካ ይርአ ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ንድሕነት (ማቴዎስ 28:19, 20

ኣዝዩ ኣድላዪ ከም ዝዀነውን ይንገር ነይሩ ኢዩ።” ሉቃስ 3:21-23፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:35, 36)

(ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ: ናይ 1967 ሕታም)

ዝበዝሓ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣብ ምእመናንን ኵሎም እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ

ነቶም ምእመናን ዘገልግሉ ኣቕሽሽትን ዝብል ክርስትያን ኣገልገልቲ ኢዮም ነይሮም:

እተኸፋፈላ ኢየን። እቶም ኣቕሽሽቲ ብዙሕ ግዜ ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽውን ይሳተፉ ነበሩ።

በቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት ደሞዝ ይኽፈሉ ኢዮም: (ግብሪ ሃዋርያት 2:17, 18

ካብቶም ምእመናን ከኣ ብኸም “ክቡር” “ኣባ” ወይ ሮሜ 10:10-13፣ 16:1)

ከኣ “ብጹእ” ዝብል መዓርጋት ክብ ዝበሉ ኢዮም። ሓደ ክርስትያን “ብኸምኡ” ደኣ እምበር

ብደሞዝ ክህብ ኣይግብኦን።(ማቴዎስ 10:7, 8) የሱስ ሃይማኖታዊ መዓርግ ፈጺሙ ከልኪሉ ኢዩ።

(ማቴዎስ 6:2፣ 23:2-12፣ 1 ጴጥሮስ 5:1-3)

ስእልታት: ምስልታት: ከምኡውን መስቀላት ክርስትያናት ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ናይ

ኣብ ኣምልኾ ይጠቕሙ ኢዮም:- “ስእሊ . . . ኣምልኾ ጣኦት: ካብቲ ናይ ኣዝማድ ኣምልኾ

ናይ ክርስቶስ: ናይታ ድንግል ወላዲት ኣምላኽ: ዝበሃል እውን ከይተረፈ ክርሕቁ ይግባእ።

ከምኡውን ናይቶም ካልኦት ቅዱሳት . . . (ዘጸኣት 20:4, 5፣ 1 ቈረንቶስ 10:14

ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ክቕመጥ: ግቡእ ፍርህን 1 ዮሃንስ 5:21) ንኣምላኽ ብምርኣይ

ክብርን ከኣ ክወሃቦ ኣለዎ።” (ውሳነ ኣኼባ ትረንት [1545-63]) ዘይኰነስ ብመንፈስን ብሓቅን

ኢዮም ዘምልኽዎ። (ዮሃንስ 4:23, 24፣ 2 ቈረንቶስ 5:7)

ኣባላት ቤተ-ክርስትያን ዕላማ ኣምላኽ ብፖለቲካ የሱስ እታ ንደቂ ሰብ ተስፋ እትዀኖም

ከም ዝፍጸም ኢዮም ዝማሃሩ። እቲ ስፐልማን መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ እምበር ገለ

እተባህለ ዝሞተ ካርዲናል ከምዚ በለ:- “እታ ናብ ሰላም ፖለቲካዊ ስርዓት ከም ዝዀነ ኣይሰበኸን።

እተብጽሕ መገዲ ሓንቲ ጥራይ ኢያ . . . ንሳ ኸኣ እታ (ማቴዎስ 4:23፣ 6:9, 10)

ቀንዲ መገዲ ደሞክራሲ ኢያ።” ኣብ ናይ ዓለም ፖለቲካ ኣብ ፖለቲካ ኢዱ ምእታው ኣበየ።

ምእታዎም: ናዕቢ ኣብ ምልዕዓል እውን ከይተረፈ ምክፋሎም (ዮሃንስ 6:14, 15) መንግስቱ ካብዛ

ከምኡውን ንሕቡራት ሃገራት ከም “መጨረሽታ ተስፋ ናይ ዓለም እዚኣ ኣይነበረትን፣ ስለዚ ሰዓብቱ

ስምምዕን ሰላምን” ገይሮም ምድጋፎም ናይ ዜና ክፍሊ እዛ ዓለም እዚኣ ክዀኑ የብሎምን።

ማዕከናት ጸብጻብ ኣቕሪቦም ኢዮም። (ዮሃንስ 18:36፣ 17:16) ያእቆብ ብዛዕባ

ምስ ዓለም ዕርክነት ምግባር ኣጠንቂቑ ኢዩ። (ያእቆብ 4:4)

[ኣብ ገጽ 132 ዘሎ ስእሊ]

ምኽፋት ናይቶም ሸውዓተ ማሕተም ናብ ምንፋሕ ናይቲ ሸውዓተ መለኸት ይመርሕ

[ኣብ ገጽ 140 ዘሎ ስእሊ]

“ብድሆ ንመራሕቲ ዓለም።” (1922)

እዚ ውሳነ እዚ ነቲ የሆዋ ኣብ “ምድሪ” ዘውርዶ መዓት ንምዝርጋሕ ሓገዘ

[ኣብ ገጽ 140 ዘሎ ስእሊ]

“ንዅሎም ክርስትያናት ዝኸውን መጠንቀቕታ።” (1923)

በዚ ውሳነ እዚ እቲ የሆዋ ኣብ “ሲሶ ባሕሪ” ዘውርዶ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ክሳዕ ርሑቕ ተኣወጀ

[ኣብ ገጽ 141 ዘሎ ስእሊ]

“ኣቕሽሽቲ ተኸሲሶም።” (1924)

ሰፊሕ ምዝርጋሕ ናይዛ ትራክት እዚኣ “ኰዀብ” ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ከም ዝወደቐ ሰባት ንኸስተብህሉ ሓጊዙ

[ኣብ ገጽ 141 ዘሎ ስእሊ]

“ናይ ተስፋ መልእኽቲ።” (1925)

እዚ ቅኑዕ ውሳነ እዚ እቶም ብህዝበ-ክርስትያን ከም ምንጭታት ናይ ብርሃን ዝሕሰቡ: ብሓቂ ናይ ጸልማት ምንጭታት ከም ዝዀኑ ንምቅላዕ ሓገዘ