ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ መተባብዒ ሒዙ ይመጽእ

የሱስ መተባብዒ ሒዙ ይመጽእ

ምዕራፍ 4

የሱስ መተባብዒ ሒዙ ይመጽእ

1. ዮሃንስ ሕጂ ንመን ኢዩ ዝጽሕፈሉ: ሎሚኸ መልእኽቱ ኣቓልቦ ዝስሕብ ኰይኑ ክረኽብዎ ዘለዎም መን ኢዮም፧

 ቲ ቐጺሉ ዝዀነ ነገራት: ምስተን ሎሚ ዘለዋ ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ንዝሓብር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣቓልቦ ዝስሕብ ክኸውን ኣለዎ። ቀጺሉ ተኸታታሊ መልእኽትታት ኣሎ። “እቲ ምዱብ ግዜ” እናቐረበ ክኸይድ ከሎ ድማ ፍሉይ ኣወዓዕላ ኣለዎም። (ራእይ 1:3 NW) ነዞም ኣዋጃት እዚኣቶም ምቕላብ ዘለኣለማዊ ጥቕሚ ዘምጽኣልና ኢዩ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይንበብ:- “ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት: [“ጉባኤታት:” NW] ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን: ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ . . . የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን [“ዘይንበቕዖ ሕያውነትን:” NW] ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።”ራእይ 1:4, 5ሀ

2. (ሀ) ቍጽሪ “ሾብዓተ” ንምንታይ የመልክት፧ (ለ) እቲ ናብተን “ሾብዓተ ጉባኤታት” እተጻሕፈ መልእኽትታት ኣብ መዓልቲ ጐይታ ናብ መን ኢዩ ዝውዕል፧

2 ኣብዚ ዮሃንስ ናብተን “ሾብዓተ ጉባኤታት” ኢሉ ይጽሕፍ: ጽንሕ ኢሉ ድማ ስማተን ኣብቲ ትንቢት ተጠቒሰናልና ኣለዋ። ቍጽሪ “ሾብዓተ” ኣብ ራእይ ብተዳጋጋሚ ኢያ ተጠቒሳ ዘላ። እዛ ቍጽሪ እዚኣ ብፍላይ ምስቲ ንኣምላኽን ናይቶም ቅቡኣቱ ጉባኤን ዝምልከት ነገራት ምልኣት እተመልክት ኢያ። ኣብ ግዜ መዓልቲ ጐይታ: ቍጽሪ ናይተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዓሰርተታት ኣሻሕ ስለ ዝበጽሐ: እቲ ቐደም ነተን “ሾብዓተ ጉባኤታት” ናይቶም ቅቡኣት ተባሂሉ ዝነበረ ናብ ኵሎም እዞም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽውን ከም ዝውዕል ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ራእይ 1:10) እወ: ዮሃንስ ንዅለን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንዅሎም እቶም ኣብ ብዘላ ገጽ ምድሪ ምሳታቶም ዝሓብሩን ዝኸውን ኣድላዪ መልእኽቲ ኣለዎ።

3. (ሀ) ኣብቲ ዮሃንስ ዘቕረቦ ሰላምታ: “ዘይንበቕዖ ሕያውነትን ሰላምን” ካብ መን ኢዩ ዝመጽእ፧ (ለ) ኣየናይ መግለጺ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኢዩ ምስቲ ናይ ዮሃንስ ሰላምታ ዝመሳሰል፧

3 “ዘይንበቕዖ ሕያውነትን ሰላምን”—ብፍላይ ምንጨን ምስ እነማስወሉ: ኣየ ክሳዕ ክንደይ ተደለይቲ ኰን ኢየን! እዚኣተን ካብቲ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ:” “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ዝነብር ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ዝውሕዛ ኢየን። (1 ጢሞቴዎስ 1:17፣ መዝሙር 90:2) ኣብዚ: እቲ ንምልኣት ተግባራት ሓይሊ ኣምላኽ ወይ መንፈስ ቅዱስ ዘመልክት: ነቶም ነቲ ትንቢት ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ዅሎም ምርዳእን በረኸትን ዘምጽእ: “ሾብዓተ መናፍስቲ” ዝብል ስያመ እውን ተጠቓሊሉ ኣሎ። እቲ ዮሃንስ ድሕር ኢሉ “ጸጋን [“ዘይንበቕዖ ሕያውነትን:” NW] ሓቅን መሊእዎ” ብምባል ብዛዕብኡ ጽሒፉ ዘሎ “የሱስ ክርስቶስ” እውን ወሳኒ ግደ ኣለዎ። (ዮሃንስ 1:14) ስለዚ: እቲ ዮሃንስ ዘቕረቦ ሰላምታ ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መደምደምታ ናይታ ናብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ካልኣይቲ መልእኽቱ ሒዛቶ ዘላ ዝመሳሰል ነገራት ዝሓዘ ኢዩ:- “ጸጋ [“ዘይንበቕዖ ሕያውነት:” NW] ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን።” (2 ቈረንቶስ 13:13) ሎሚ እውን እዘን ቃላት እዚኤን ነቶም ሓቂ እነፍቅር ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዝውዕላ ይግበረን!—መዝሙር 119:97

እቲ ‘እሙን ምስክር’

4. ዮሃንስ ንየሱስ ክርስቶስ ዝገለጾ ብኸመይ ኢዩ: እዞም ገለጽቲ ስያመታት እዚኣቶም ኣዝዮም ልክዕ ዝዀኑኸ ስለምንታይ ኢዮም፧

4 ከምቲ ዮሃንስ “እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድርን” ኢሉ ብምግላጽ ኣፍልጦ ሂቡሉ ዘሎ: የሱስ ደድሕሪ የሆዋ ኣብ ኣድማስ እቲ ኣዝዩ ክቡር ኣካል ኢዩ። (ራእይ 1:5ለ) ከምቲ ወርሒ ኣብ ሰማያት: ንሱ ኸኣ ንኣምላኽነት የሆዋ እቲ ዝዓበየ ምስክር ኰይኑ ጸኒዑ ቈይሙ ኢዩ። (መዝሙር 89:37) ንጽህንኡ መስዋእታዊ ሞት ክሳዕ ምኽፋል ድሕሪ ምሕላዉ: ካብቶም ናብ ዘይሓልፍ መንፈሳዊ ህይወት ዝተንስኡ ደቅሰብ ናይ መጀመርታ ኰነ። (ቈሎሴ 1:18) ሕጂ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኰይኑ: ልዕሊ ዅሎም ነገስታት ምድሪ ልዕል ኢሉ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” ተቐቢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 28:18፣ መዝሙር 89:27፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:15) ብ1914 ድማ ኣብ መንጎ እቶም ምድራውያን ህዝብታት ንኽገዝእ ከም ንጉስ ኰይኑ ተቐመጠ።—መዝሙር 2:6-9

5. (ሀ) ዮሃንስ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ምውዳስ ዝቐጸለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ህያብ ብምሃቡ መን ኢዩ ዝጥቀም: ቅቡኣት ክርስትያናትከ ኣብ ፍሉይ በረኸት እተኻፈሉ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧

5 ዮሃንስ በዘን ዝስዕባ ምዉቓት ቃላት ገይሩ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ምውዳስ ይቕጽል :- “ንእኡ: ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ: ካብ ሓጢያትናውን ብደሙ ዝሐጸበና: ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና: ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን።” (ራእይ 1:5ሐ, 6) የሱስ: ኵሎም እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ናይ ደቅሰብ ዓለም ናብ ፍጹም ዝዀነ ህይወት ምእንቲ ክምለሱ ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ሃበ። ፍቑር ኣንባቢ: ንስኻውን ኣብዚ እቱው ክትከውን ትኽእል ኢኻ! (ዮሃንስ 3:16) እንተዀነ ግን: እቲ ናይ የሱስ መስዋእታዊ ሞት ነቶም ከም ዮሃንስ ዝኣመሰሉ ቅቡኣት ክርስትያናት: ፍሉይ በረኸት ክረኽቡ መገዲ ከፈተሎም። እዚኣቶም ብመሰረት ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ጻድቃን ምዃኖም ተመስኪሩሎም ኢዩ። እዞም ክፍሊ ናይቲ ሒደት መጓሰ: ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ንዅሉ እቲ ናይ ምድራዊ ህይወት ተስፋታት ጠንጢኖም: ካብ ምዉታት ተንሲኦም ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣብታ መንግስቱ ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ንኸገልግሉ ትጽቢት ብምግባር ብመንፈስ ኣምላኽ ተወሊዶም ኢዮም። (ሉቃስ 12:32፣ ሮሜ 8:18፣ 1 ጴጥሮስ 2:5፣ ራእይ 20:6) ኣየ ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን ኢዩ! ዮሃንስ ኣዝዩ ርግጸኛ ብምዃን ክብርን ዕብየትን ንየሱስ ይኹን ኢሉ ምግላጹ ዘገርም ኣይኰነን!

“ብደበና ይመጽእ አሎ”

6. (ሀ) ዮሃንስ ብዛዕባ ናይ የሱስ ‘ብደበና ምምጻእ’ እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝኣወጀ: ንኸመይ ዝበለ የሱስ እተነበዮ ኢዩኸ ዮሃንስ ተዘኻኺሩ ክኸውን ዝኽአል፧ (ለ) የሱስ ብኸመይ ኢዩ ‘ዝመጽእ:’ ኣብ ምድሪ መሪር ጓሂ ዘሕልፉኸ መን ኢዮም፧

6 ቀጺሉ: ዮሃንስ ደስ ብዘብል መገዲ ከምዚ ኢሉ ይእውጅ:- “እንሆ: ብደበና ይመጽእ አሎ: ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም: ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩ እዮም። እወ: ኣሜን።” (ራእይ 1:7) ኣብዚ ዮሃንስ ነቲ የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ መወዳእታ ኣገባብ እተነበዮ ትንቢት ከም እተዘኻኸረ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኣብኡ የሱስ ከምዚ በለ:- “ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ: ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።” (ማቴዎስ 24:3, 30) ስለዚ እምበኣር: የሱስ ኣቓልቦኡ ፍርድታት የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ንኸውርድ ብምትኳር ኢዩ ‘ዝመጽእ’። እዚ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኣድለይቲ ለውጥታት ዘኸትል ኢዩ: ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪ’ ነቲ ሓቅነት ንግስና የሱስ ስለ ዝነጸግዎ: ብሓቂ እቲ “ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ክወርዶም ኢዩ።—ራእይ 19:11-21፣ መዝሙር 2:2, 3, 8, 9

7. ‘ኵለን ኣዒንቲ’: ናይቶም ዘይእዙዛት እውን ከይተረፈ: ንየሱስ ‘ዝርእይኦ’ ብኸመይ ኢየን፧

7 የሱስ ኣብታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘምሰየላ ናይ መወዳእታ ምሸት “[ድሕሪ] ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ” በሎም። (ዮሃንስ 14:19) ከመይ ኢሉ ድኣ ኢዩ ‘ኵለን ኣዒንቲ ክርእይኦ ኢየን’ ዝበሃል፧ እቶም ጸላእቲ የሱስ ብዓይነ-ስጋ ክርእይዎ ኢዮም ኢልና ትጽቢት ክንገብር የብልናን: ምኽንያቱ ሃዋርያ ጳውሎስ: የሱስ ንሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ ሕጂ “ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር” ከምኡውን “ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረአዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል” ምዃኑ ተዛሪቡ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:16) ብርግጽ እምበኣር: ዮሃንስ ‘ምርኣይ’ ክብል ከሎ ልክዕ ከምቲ ነቲ ዘይርአ ባህርያት ኣምላኽ ብፍጥረታቱ ገይርና ክንርእዮ ወይ ከነስተውዕሎ እንኽእል “ምስትውዓል” ማለቱ ኢዩ። (ሮሜ 1:20) የሱስ “ብደበና ይመጽእ አሎ” ክበሃል ከሎ ልክዕ ከምቲ ጸሓይ ብደበና ምስ ተኸወለት ብዓይንና ክንርእያ ዘይንኽእል: ዘይርአ ማለት ኢዩ። ኣብ ግዜ ቀትሪ እውን ከይተረፈ ጸሓይ ብደበና እኳ እንተ ተኸወለት: በቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ብርሃን ግን ከም ዘላ ንፈልጥ። ብተመሳሳሊ መገዲ ኸኣ የሱስ ጐይታ ዘይርአ እኳ እንተዀነ: ‘ነቶም ንወንጌሉ ዘይእዘዙ ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኽፈድዮም’ ከሎ ክግለጽ ኢዩ። እዚኣቶም እውን ሽዑ ‘ንኽርእይዎ’ ክግደዱ ኢዮም።—2 ተሰሎንቄ 1:6-8፣ 2:8

8. (ሀ) እቶም ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ‘ዝወግእዎ’ መን ኢዮም: ሎሚኸ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት መን ኢዮም፧ (ለ) ሕጂ የሱስ ኣብ ምድሪ ስለ ዘየሎ: ሰባት ከመይ ኢሎም ኢዮም ‘ክወግእዎ’ ዝኽእሉ፧

8 የሱስ በቶም ‘ዝወግእዎ [እውን] ክርአ’ ኢዩ። እዚኣቶምከ እንታዎት ኰን ይዀኑ፧ የሱስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ክቕተል ከሎ: እቶም ናይ ሮሜ ወተሃደራት ቃል ብቓሉ ወጊኦምዎ ኢዮም። ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቈስጠ ንገለ ካብኣቶም ‘ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ: ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ገበሮ’ ኢሉ ስለ ዝነገሮም: ኣይሁዳውያን እውን ኣብቲ ናይ ቅትለት ገበን ተኻፈልቲ ኢዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:5-11, 36፣ ምስ ዘካርያስ 12:10 ኣረኣእዮ፣ ዮሃንስ 19:37) እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሮማውያንን ኣይሁድን ካብ ዝሞቱ ሕጂ ዳርጋ 2,000 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ እቶም ‘ዝወግእዎ’ ተባሂሎም ዘለዉ ከምቶም ሽዑ ክስቀል ከሎ ጽልኦም ዘርኣይዎ: ሎሚ ጽልኢ ዘርእዩ ዘለዉ ሃገራትን ህዝብታትን ኢዮም ዘመልክቱ። ሕጂ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣይኰነን ዘሎ። እንተዀነ ግን: እቶም ተጻረርቲ ነቶም ንየሱስ ዝምስክሩሉ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብግልጺ ዘሳጕጉ ወይ ብውሽጠ-ውሽጢ ንመስጐጕቲ ዝተዃትኹ እንተድኣ ዀይኖም: እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ተጻረርቲ ልክዕ ንየሱስ ክርስቶስ ‘ይወግእዎ’ ከም ዘለዉ ኢዮም።—ማቴዎስ 25:33, 41-46

“አልፋን ኦሜጋን”

9. (ሀ) ሕጂ ዝዛረብ መን ኢዩ: ኣብ መጽሓፍ ራእይኸ ክንደይ ግዜ ኢዩ እተዛረበ፧ (ለ) የሆዋ ንገዛእ ርእሱ “ኣልፋን ኦሜጋን” ከምኡውን “ኵሉ ዝኽእል” ኢሉ ክጽውዓ ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ፧

9 እንሆ: ናይ ድንቅታት ድንቂ ዝዀነ ነገር! እቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ባዕሉ ይዛረብ። ንሱ እቲ ዝዓበየ መምህርናን ቀንዲ ምንጪ ናይ ራእይን ብምዃኑ: ነዚ ከም መእተዊ ናይቲ ክግለጽ ዘለዎ ትርኢታት ክገብሮስ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! (ኢሳይያስ 30:20) ኣምላኽና ከምዚ ኢሉ ይእውጅ:- “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ: . . . እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል።” (ራእይ 1:8) እዚኣ ካብተን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘለዋ የሆዋ ባዕሉ ካብ ሰማይ እተዛረበለን ሰለስተ ኣጋጣሚታት እታ ናይ መጀመርታ ኢያ። (ራእይ 21:5-8፣ 22:12-15 እውን ርአ።) እቶም ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት: ኣልፋን ኦሜጋን እተን ቀዳመይትን መወዳእታን ፊደላት ግሪኽ ከም ዝዀና ቀልጢፎም ተረዲኦምወን ክዀኑ ኣለዎም። የሆዋ ንርእሱ በዘን ክልተ ፊደላት ገይሩ ክጽውዓ ኸሎ: ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ቅድሚኡ ከም ዘይነበረን ብድሕሪኡውን ካልእ ከም ዘይህሉን ዘረጋግጽ ኢዩ። ነቲ ንኣምላኽነት ዝምልከት ክርክር ንዘለኣለም ዝነብር ዕዉት መደምደምታ ኽገብረሉ ኢዩ። ንሱ እቲ ሓደን ኵሉ ዝኽእልን ኣምላኽ: ኣብ ልዕሊ ኵሉ ፍጥረታቱ ዝለዓለ ገዛኢ ምዃኑን ንዘለኣለም ክረጋገጽ ኢዩ።—ምስ ኢሳይያስ 46:10፣ 55:10, 11 ኣረኣእዮ።

10. (ሀ) ዮሃንስ ቀጺሉ ንገዛእ ርእሱ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጻ: ኣበይከ ኢዩ ተኣሲሩ ዝነበረ፧ (ለ) እቲ ዮሃንስ ዝጻሓፎ ጥቕላል ብሓገዝ መን ኢዩ ናብተን ጉባኤታት ተላኢኹ ክኸውን ዘለዎ፧ (ሐ) ሎሚ መብዛሕትኡ ግዜ መንፈሳዊ መግቢ ዝቕረብ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧

10 ንውጽኢት ናይቲ ኵነታት: የሆዋ ክመርሖ ከም ዝዀነ ብምትእምማን: ዮሃንስ ነቶም ብጾቱ ባሮት ከምዚ በሎም:- “ኣነ ዮሃንስ ሓውኩምን ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን: ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ።” (ራእይ 1:9) ኣብታ እትመጽእ መንግስቲ ተኻፋሊ ንኽኸውን ጽኑዕ ተስፋ ብምግባር ምስቶም ኣሕዋቱ ጸበባ እናተጸመመ ምእንቲ ብስራት ክብል ኣብ ደሴት ጳጥሞስ እሱር ዝነበረ: ብዕድመ ዝደፍአ ዮሃንስ: ሕጂ ካብተን ናይ ራእይ ትርኢታት እታ ቐዳመይቲ ይርኢ። ልክዕ ከምዚ ሎሚ እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ናይቲ ትርኢታት ፍጻሜ ብምርኣዮም ዝነቓቕሑ ዘለዉ: ንሱ እውን በዞም ትርኢታት እዚኣቶም ኣዝዩ ከም እተተባብዐ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኣብቲ ግዜ እቲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝነበረ: ነቲ ጥቕላል ናይ ራእይ ከመይ ገይሩ ናብተን ጉባኤታት ከም ዘተሓላለፎ ኣይንፈልጥን ኢና። (ራእይ 1:11፣ 22:18, 19) ልክዕ ከምቲ ነቶም ጥሜት ሓቂ ዘለዎም ኣሕዋቶም እዋናዊ መንፈሳዊ መግቢ ንኸብጽሑሎም ኣብ ትሕቲ እገዳታትን ቀይድታትን ኰይኖም ዘገልግሉ እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ናይ መላእኽቲ ዕቝባ ዘለዎም: ኣብቲ እዋን እቲውን ነዚ ንምግባር መልኣኽ የሆዋ ተሓባቢሩ ክኽውን ኣለዎ።—መዝሙር 34:6, 7

11. ሎሚ እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ከመይ ዝበለ ነቲ ዮሃንስ ዘማሰወሉ ዝመሳሰል መሰል ኢዮም ኣኽቢሮም ዝሕዝዎ፧

11 የሆዋ ምስተን ጉባኤታት ንምርኻብ ከም ናቱ መትረብ ገይሩ ስለ እተጠቐመሉስ ዮሃንስ ነቲ ዝረኸቦ መሰል ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣዕሚቑ ኣመስጊንሉ ክኸውን ኣለዎ! ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን እዞም ክፍሊ ዮሃንስ ነቲ ንስድራቤት ኣምላኽ መንፈሳዊ ‘ምግቦም በብግዜኡ ኽህብዎም’ እተመዘዝሉ ዓብዪ መሰል ብኽብሪ ኢዮም ዝርእይዎ። (ማቴዎስ 24:45) ንስኻውን ነቲ ክቡር ዕላማ ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ክትረክብ: ሓደ ካብቶም በዚ መንፈሳዊ ምድላዋት እዚ ዝደልደልካ ይግበርካ!—ምሳሌ 3:13-18፣ ዮሃንስ 17:3

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ጽንኩር ግዜ መንፈሳዊ መግቢ ምርካብ

ኣብዘን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዩ ብዙሕ ስደትን መከራን ዝጽመሙለን ዘለዉ ዳሕሮት መዓልትታት: ብእምነት ሓያላት ኰይኖም ምእንቲ ክቕጽሉ መንፈሳዊ መግቢ ክረኽቡ ኣድላዪ ኰይኑ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት: ብሳላ እቲ ሓይሊ የሆዋ ዝገልጽ ፍሉይ መርኣያታት: ከጻንሖም ዝኽእል እኹል መንፈሳዊ መግቢ ተዋሂቡ ኢዩ።

ንኣብነት: ኣብቲ ጀርመን ኣብ ትሕቲ ሂትለር ዝነበረትሉ ግዜ: እቶም መሰኻኽር ነቲ በቶም ሽዑ ዝነበሩ ጨካናት ናይ ናዚ ሰበ-ስልጣናት ብዕሊ ተኸልኪሉ ዝነበረ ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኣባዚሖምዎን ዘርጊሖምዎን ኢዮም። ኣብ ከተማ ሃምበርግ እቶም ጌስታፖ ናብ ሓንቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ምብዛሕ ዝግበረላ ገዛ ፈንጢሶም ኣተዉ። እታ ገዛ ንእሽቶ ኢያ ነይራ: ዝዀነ ይኹን ነገር ድማ ኣብ ጽኑዕ ክትሓብኣሉ እትኽእል ቦታ ኣይነበረን። እታ ናይ ጽሕፈት መኪና ኣብ ውሽጢ ኸብሒ ተቐመጠት: እታ ዓባይ መባዝሒት ድማ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ናይ ድንሽ መቐመጢ ነበረት። ብተወሳኺ ድማ: ብድሕሪ እቲ መቐመጢ ድንሽ መጽሔታት ዝመልአ ባልጃ ነበረ! ከም ዝርከብ ድማ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እንታይ ኢዩ ዘጋጠመ፧ እቲ ነቲ ከብሒ ዝኸፈተ ፖሊስ ነታ ናይ ጽሕፈት መኪና ከም ዘይረኣያ ኰነ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝነበረ: እቲ በዓል ቤት ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ይህብ:- “ግርም ክብለኩም: እቶም ሰለስተ ናይ ጌስታፖ ሰባት ኣብ ማእከል እታ ቤት: ኣብቲ መቐመጢ ድንሽን ብድሕሪኡ ድማ እቲ ግምቢ ዘብዐኛታት ዝሓዘ ባልጃን ዘለዎ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ። እንተዀነ ግን: ዋላ ሓደ ካባታቶም ዘስተብሃለሉ ኣይነበረን፣ ልክዕ ኣዒንቶም ከም ዝዖረ ኰኑ።” ሳላ እዚ ፍሉይ መለኮታዊ ሓለዋ እዚ: እታ ስድራቤት ኣብ ጽንኩርን ሓደገኛን ግዜ መንፈሳዊ መግቢ ምቕራብ ክትቕጽል ክኢላ ኢያ።

ኣብ 1960ታት ኣብ መንጎ ናይጀርያን እታ ክትፍለ ዝደለየት ኣውራጃ ብያፍራን ናይ ሓድሕድ ውግእ ይካየድ ነበረ። ብያፍራ ብዅሉ ወገናታ ብናይ ናይጀርያ ዶብ እተኸበት ስለ ዝነበረት: እቲ ምስ ወጻኢ ዘራኽባ ሓደ መገዲ ብኣየር ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ እቶም ኣብ ብያፍራ ዝነበሩ መሰኻኽር መንፈሳዊ መግቢ ዝረኽብሉ መገዲ ፈጺሙ ኣብ ዘቋረጸሉ ሓደጋ ወዲቖም ነይሮም ማለት ኢዩ። ሽዑ: ኣብ መጀመርታ ናይ 1968: እቶም ናይ ብያፍራ ሰበ-ስልጣናት ካብቶም ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህቡ ንሓደ ኣብ ኣውሮጳ: ነቲ ካልእ ድማ ኣብቲ ናይ ብያፍራ መገዲ ኣየር ኣገዳሲ ስልጣን ሃብዎም። እዚኣቶም ክልቲኦም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ጸንሑ: ክልቲኦም ኣብ ክልተ ጫፍ ናይታ ንብያፍራ ምስ ወጻኢ እተራኽብ እንኮ መገዲ ኰኑ። ክልቲኦም ድማ እዚ ምድላው እዚ ካብ የሆዋ ምዃኑ ተገንዘቡ። ስለዚ ኸኣ ክልቲኦም ነቲ ተነቃፍን ሓደገኛን ዝዀነ ናብ ብያፍራ መንፈሳዊ መግቢ ናይ ምእታው ዕዮ ክሰርሑ ፍቓደኛታት ኰኑ። ነዚ ድማ ኣብ ብምልኡ እቲ ናይ ውግእ ግዜ ክገብርዎ ከኣሉ። ሓደ ኻብኣቶም ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ሃበ:- “እቲ ምድላው እቲ ክንዮ እቲ ሰባት ክምድብዎ ዝኽእሉ ነገር ኢዩ ነይሩ።”

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሰሌዳ]

ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ምሳልያዊ ቍጽርታት

ቍጽሪ ምሳልያዊ ትርጕም

2 ንሓደ ነገር ኣጽኒዕካ ምርግጋጽ የመልክት።

(ራእይ 11:3, 4፣ ምስ ዘዳግም 17:6 ኣረኣእዮ።)

3 ምጕላሕ የመልክት። ጻዕቂ እውን የመልክት ኢዩ።

(ራእይ 4:8፣ 8:13፣ 16:13, 19)

4 ጠቕላላውነት ወይ ኣርባዕተ ማዕረ ዝመኣዝኑ ነገር የመልክት።

(ራእይ 4:6፣ 7:1, 2፣ 9:14፣ 20:8፣ 21:16)

6 ዘይፍጽምና: ንዘይልሙድ ነገር: ንኽፉእ የመልክት።

(ራእይ 13:18፣ ምስ 2 ሳሙኤል 21:20 ኣረኣእዮ።)

7 ከም ዕላማታት የሆዋ ወይ ናይ ሰይጣን ዝኣመሰለ: ብመለኮታዊ መገዲ እተወሰነ ምልኣት የመልክት።

(ራእይ 1:4, 12, 16፣ 4:5፣ 5:1, 6፣ 10:3, 4፣ 12:3)

10 ኵልንትና ወይ ናይ ዝርአ ኣካል: ከም ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝኣመሰለ: ምልኣት የመልክት።

(ራእይ 2:10፣ 12:3፣ 13:1፣ 17:3, 12, 16)

12 ኣብ ሰማያት ወይ ኣብ ምድሪ ብመለኮታዊ መገዲ ዝቘመት ማሕበር የመልክት።

(ራእይ 7:5-8፣ 12:1፣ 21:12, 16፣ 22:2)

24 ናይ የሆዋ ኣኽል-ታርፍ (ዕጽፊ) ናይ ምምሕዳር ስርዓት የመልክት።

(ራእይ 4:4)

ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተጠቒሶም ዘለዉ ገሊኣቶም ቍጽርታት: ቃል ብቓሉ ከምቲ ዘለውዎ ክንርድኦም ዘሎና ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ንምውሳን እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ይሕግዘና ኢዩ። (ራእይ 7:4, 9፣ 11:2, 3፣ 12:6, 14፣ 17:3, 9-11፣ 20:3-5 ርአ።)