ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዮሃንስ ነቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ይርእዮ

ዮሃንስ ነቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ይርእዮ

ምዕራፍ 5

ዮሃንስ ነቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ይርእዮ

ትርኢት 1​—ራእይ 1:10-3:22

ቀንዲ መልእኽቲ:- የሱስ ናብታ ኣብ ምድሪ ዘላ ናይ መንፈስ እስራኤል ይበጽሕ: ምዉቝ መተባብዒ ድማ ይህብ

ዝፍጸመሉ ግዜ:- እዚ መዳይ ናይ መዓልቲ ጐይታ እዚ: ካብ 1914 ኣትሒዙ እቲ ናይ መወዳእታ እሙን ኣባል ናይቶም ቅቡኣት ሞይቱ ክሳዕ ዝትንስእ ይቕጽል

1. እቲ ቐዳማይ ትርኢት ብኸመይ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ: ዮሃንስከ እቲ ናይ ብሓቂ ዝፍጸመሉ ግዜ ብኸመይ ኢዩ ዘመልከተ፧

 እቲ ቐዳማይ ትርኢት ናይ መጽሓፍ ራእይ ኣብ ምዕራፍ 1 ቍጽሪ 10 ኢዩ ዝጅምር። ልክዕ ከምቶም ኣብ ራእይ ዘለዉ ካልኦት ትርኢታት: እዚውን ዮሃንስ ሓደ ፍሉይ ዝዀነ ነገር ከም ዝረኣየ ወይ ከም ዝሰምዐ ብምእዋጅ ኢዩ ዝጅምር። (ራእይ 1:10, 12፣ 4:1፣ 6:1) እዚ ቐዳማይ ትርኢት እዚ: ነተን ብግዜ ዮሃንስ ዝነበራ ጉባኤታት እቲ መልእኽትታት ክላኣኸለን ከሎ ዝነበረ ኣገባብ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ሒዙ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ። እንተዀነ ግን: ዮሃንስ “ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ” ክብል ከሎ እቲ ናይ ሓቂ ዝፍጸመሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ኣመልከተ። (ራእይ 1:10ሀ) እዛ ‘መዓልቲ’ እዚኣ መዓስ ኢያ፧ እዚ ህውከት ዝመልኦ ዘገርም ፍጻሜታትከ: ምስ እዛ መዓልቲ እዚኣ ገለ ርክብ ኣለዎዶ፧ ርክብ እንተድኣ ኣልዩዎ ህይወትና—አረ ድሕነትና—ዝትንክፍ ከም ምዃኑ መጠን ናብቲ ትንቢት ኣዚና ከነቕልብ ይግብኣና ኢዩ።—1 ተሰሎንቄ 5:20, 21

ብመዓልቲ ጐይታ

2. መዓልቲ ጐይታ መዓስ ኢያ እትጅምር: መዓስከ ኢያ እትውድእ፧

2 ኣበየናይ እዋን ናይ ግዜ ኢዩ እዚ ናይ ራእይ ፍጻሜ ዝርአ፧ መዓልቲ ጐይታ እንታይ ኢያ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንመዓልቲ ጐይታ ፍርድን መብጽዓታት ኣምላኽ ዝፍጸመላን ግዜ ከም ዝዀነት ገይሩ ይጠቕሳ። (1 ቈረንቶስ 1:8፣ 2 ቈረንቶስ 1:14፣ ፊልጲ 1:6, 10፣ 2:16) ምስ ምምጻእ እታ ‘መዓልቲ’ እቲኣ ድማ እቲ ዓብዪ ዕላማታት የሆዋ በብግዜኡን ብዓወትን ናብ ፍጻሜኡ ኣቢሉ ይግስግስ። እታ ‘መዓልቲ’ እቲኣ በቲ የሱስ ከም ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ኣኽሊል ዝደፍኣሉ ግዜ ኢያ እትጅምር። መዓልቲ ጐይታ: የሱስ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ፍርዱ ምስ ኣውረደውን ከይተረፈ ክሳዕ እቲ ምድሪ ኣብ ገነት ተለዊጣ: ደቅሰብ እውን ኣብ ፍጽምና ዝበጽሑ እሞ: የሱስ እውን ‘እታ መንግስቲ ንኣምላኹን ኣቦኡን ዝውፍያ’ ክትቅጽል ኢያ።—1 ቈረንቶስ 15:24-26፣ ራእይ 6:1, 2

3. (ሀ) እቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዘሎ “ሾብዓተ ግዝያት” መዓልቲ ጐይታ መዓስ ከም ዝጅምር ክንፈልጥ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) 1914 መዓልቲ ጐይታ ዝጀመረትሉ ዓመት ምዃኑ ዘረጋግጽ ኣብ ምድሪ ዝዀነ ፍጻሜታት እንታይ ኢዩ፧

3 ካልእ ፍጻሜ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ: መዓልቲ ጐይታ መዓስ ከም እትጅምር ንኽንርዳእ ይሕግዘና ኢዩ። ንኣብነት: ዳንኤል ብዛዕባ ምቍራጽ መስመር ንግስነት ዳዊት ገሊጹ ኣሎ፣ ድሕሪ “ሾብዓተ ግዝያት” “እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ: ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ” ክፍለጥ ምዃኑ ተዛረበ። (ዳንኤል 4:23, 24, 31, 32) ቀንዲ ፍጻሜ ናይዚ ትንቢት እዚ ኣብቲ ብመሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖታት ብጥቅምቲ 607 ቅ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ምብዳም ናይ የሩሳሌም ኢዩ ጀሚሩ። ራእይ 12:6, 14 ድማ 3 1/2 ግዜያት 1,260 መዓልትታት ምዃኑ ይነግረና፣ ስለዚ ኸኣ ሾብዓተ ግዜያት (ዕጽፊ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቍጽሪ) 2,520 መዓልትታት ክኸውን ኣለዎ። “ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት” ገይርካ ብምጽብጻብ ድማ ንውሓት ናይተን “ሾብዓተ ግዝያት” 2,520 ዓመታት ይኸውን። (ህዝቅኤል 4: 6) ስለዚ እምበኣር: ክርስቶስ የሱስ ኣብቲ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ 1914 ኢዩ ሰማያዊ ግዝኣቱ ጀሚሩ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብታ ዓመት እቲኣ ምብራዑ ናይቲ ክሳዕ ሎሚ ንደቅሰብ ዘጥቅዖም ዘሎ “መጀመርታ ቕልውላው” ምዃኑ ሓበረ። እቲ ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብዛ ብደም ጠልቅያ ዘላ ምድሪ እተፈጸመ ፍሉጥ ፍጻሜታት: እታ ዓመት እቲኣ ምጅማር ‘መዓልቲ’ ህላዌ የሱስ ምዃና ኣረጋጊጻ ኢያ!—ማቴዎስ 24:3-14 a

4. (ሀ) እቲ ቐዳማይ ትርኢት ዝፍጸመሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ: ቃላት ናይ መጽሓፍ ራእይ ባዕሉ እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧ (ለ) ፍጻሜ ናይቲ ቐዳማይ ትርኢት መዓስ ኢዩ ዝውድእ፧

4 ስለዚ: እዚ ቐዳማይ ትርኢት እዝን ሒዝዎ ዘሎ ምኽርታትን ኣብቲ ካብ 1914 ንነጀው ዝዀነ መዓልቲ ጐይታ ዝኸውን ኢዩ። እቲ እዋን ከምኡ ምዃኑ በቲ ጸኒሑ ኣብ ራእይ እተረኽበ ብዛዕባ እቲ ቅኑዕን ጻድቕን ፍርዲ ኣምላኽ ምፍጻም ዝገልጽ ጸብጻብ ተደጊፉ ኣሎ፣ ኣብዚ ፍጻሜታት ፍርዲ እዚ ጐይታ የሱስ ዝዓበየ ግደ ኣለዎ። (ራእይ 11:18፣ 16:15፣ 17:1፣ 19:2, 11) ፍጻሜ ናይቲ ቐዳማይ ትርኢት ብ1914 ጀሚሩ እንተድኣ ኰይኑ: መወዳእትኡኸ መዓስ ኢዩ፧ እቲ መልእኽትታት ባዕሉ ከም ዝሕብሮ: እታ መልእኽቲ ዝለኣኸላ ዘሎ ማሕበር እታ ኣብ ምድሪ ዘላ ናይቶም ቅቡኣት ጉባኤ ኣምላኽ ኢያ። ስለዚ: እቲ ናይ መወዳእታ እሙን ኣባል ናይታ ቅብእቲ ጉባኤ ሞይቱ ናብ ሰማያዊ ህይወት ምስ ተንስአ ፍጻሜ ናይቲ ቐዳማይ ትርኢት ክውዳእ ኢዩ። ይኹን እምበር: እታ መዓልቲ ጐይታ: ምስቲ ነቶም ምድራውያን ካልኦት ኣባጊዕ እትህቦ በረኸታት: ክሳዕ እቲ መወዳእታ ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ክትቅጽል ኢያ።—ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 20:4, 5

5. (ሀ) ሓደ ድምጺ ንዮሃንስ እንታይ ንኽገብር ኢዩ ዝጸውዖ፧ (ለ) ቦታ ናይተን “ሾብዓተ ጉባኤታት” ነቲ ጥቕላል ጽሑፍ ንኽትሰደለን ምቹእ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

5 ኣብዚ ቐዳማይ ትርኢት እዚ: ዮሃንስ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ነገር ምርኣዩ: ሓደ ነገር ይሰምዕ:- “ብድሕረይ ከአ: ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ: አብ መጽሓፍ ጽሒፍካ: ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት [“ጉባኤታት:” NW] ስደዶ: ዝብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ።” (ራእይ 1:10ለ, 11) ከም ደሃይ መለኸት ዝጥዕም ስልጣንን ትእዛዝን ዘለዎ ድምጺ: ንዮሃንስ ነተን “ሾብዓተ ጉባኤታት” ክጽሕፈለን ጸውዖ። ተኻታታሊ መልእኽትታት ክቕበልን ነቲ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ከኣ ክጽሕፎን ነበሮ። እዘን ኣብዚ ተጠቒሰን ዘለዋ ጉባኤታት ኣብቲ ዮሃንስ ዝነበረሉ ግዜ ቃል ብቓሉ ከም ዝነበራ ኣስተውዕል። ኵለን ድማ: ካብ ደሴት ጳጥሞስ ኣብ ስግር እቲ ባሕሪ ኣብ ንእሽቶ እስያ ኢየን ነይረን። በቲ ሮማውያን ኣብቲ ቦታ እቲ ዝሰርሕዎ ጽቡቕ መገዲ ኣቢለን ድማ ንሓድሕደን ብቐሊሉ ይራኸባ ነበራ። ሓደ ልኡኽ ነቲ ጥቕላል ጽሑፍ ሒዙ ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብታ ሓንቲ ጉባኤ ንምብጻሕ ኣይጽግሞን ኢዩ ነይሩ። እዘን ሾብዓተ ጉባኤታት እዚአን ከኣ ንሓንቲ ክፍሊ ናይዚ ዘመናዊ ወረዳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይመስላ።

6. (ሀ) እቲ ‘ዘሎ’ ዝብል እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) እቲ ሎሚ ኣብተን ጉባኤታት ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዘሎ ኵነታት: ነቲ ኣብ ግዜ ዮሃንስ ዝነበረ ኵነታት ከም ዝመሳሰል ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

6 መብዛሕትኡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ትንቢታት ድሕሪ እቲ ዮሃንስ ዝነበረሉ ግዜ ዝፍጸም ኢዩ ነይሩ። ‘ድሕርዚ ዝኸውን’ ተባሂሉ ኸኣ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ። እንተዀነ ግን: እቲ ነተን ሾብዓተ ጉባኤታት እተዋህበ ምኽሪ ነቲ ‘ዘሎ’ ማለት ነቲ ብሓቂ ኣብተን ጉባኤታት ዝነበረ ኵነታት ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። እቲ መልእኽትታት ነቶም ኣብተን ሾብዓተ ጉባኤታትን ኣብ ካልኦት ጉባኤታት ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ዝነበሩ እሙናት እተሸሙ ሽማግለታት ጠቓሚ ሓገዝ ኢዩ ነይሩ። b እቲ ትርኢት ብቐንዱ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዝፍጸም ስለ ዝዀነ: እቲ የሱስ ዝብሎ ኣብዘን ኣብ ግዜና ዘለዋ ጉባኤታት ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ ኵነታት ክርአ ትጽቢት ከም ዝግበር ዝሕብረና ኢዩ።—ራእይ 1:10, 19

7. ኣብዚ ቐዳማይ ትርኢት: ዮሃንስ ንመን ኢዩ ዝርኢ: እዚኸ ሎሚ ንዓና ኣዝዩ ኣገዳስን ዘሐጕስን ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

7 ኣብዚ ቐዳማይ ትርኢት እዚ ዮሃንስ ነቲ ደሚቑ ዘንጸባርቕ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ክብሩ ከሎ ይርእዮ። ነታ ዓባይ መዓልቲ ናይዚ ብሰማይ እተመዘዘ ጐይታ ዝምልከት ትንቢታት ዝሓዘት መጽሓፍ ካብዚ ንላዕሊ ዝሰማማዕ ካልእ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧ ነዞም ሎሚ ኣብ መዓልቲ ጐይታ እንነብር ዘሎናን ንዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕና እነቕልበሉ ዘሎናንከ ካብዚ ዝያዳ ዘገድስ ካልእ እንታይ ክህልወና ይኽእል፧ ኣብ ርእሲኡ ድማ እቲ መሲሓዊ ዘርኢ ንዅሉ እቲ ብሰይጣን ዝመጾ ፈተናታትን መስጐጕትታትን ተጸሚሙ: ዳርጋ 2,000 ዓመታት ይገብር ከኣ “ሸዀናኡ” ምስ ተነኽሰ ዘሳቒ ሞት ኣሕሊፉ ሕጂ ኣብ ሰማያት ህያው ኰይኑ ነቲ ዓብዪ ዕላማ ኣምላኽ ናብቲ ዕዉት መፈጻምታኡ ከምጽኦ ምዃኑ ክረጋገጽ ከሎ ነቶም ደገፍቲ ሉዓላውነት የሆዋ ኣየ ከመይ ዝበለ ደስ ዘብል ኰን ኢዩ!—ዘፍጥረት 3:15

8. ንኸመይ ዝበለ ስጕምቲ ኢዩ የሱስ ሕጂ ተዳልዩ ዘሎ፧

8 ሕጂ የሱስ ከም ዝነገሰ ንጉስ ኰይኑ ዕዮኡ ክገብር ተዳልዩ ከም ዘሎ ርግጽ ኢዩ። ንሱ ኣንጻር እዚ ኣረጊት: እኩይ ኣገባብን ኣምላኹ ዝዀነ ድያብሎስ ሰይጣንን ናይ መወዳእታ ፍርድታት የሆዋ ንኽፍጽም ከም ናይ የሆዋ ቀንዲ ፈጻሚ ኰይኑ ተሸይሙ ኣሎ። ንኣባላት ናይቶም ጉባኤ ቅቡኣትን ነቶም ብጾቶም ዓብዪ ጭፍራን ከምኡውን ንዓለም ክፈርድ ተዳልዩ ኢዩ ዘሎ።—ራእይ 7:4, 9፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:31

9. (ሀ) ዮሃንስ ነቲ ኣብ ማእከል ወርቃዊ ቐወምቲ ቐንዴል ዝነበረ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧ (ለ) በቲ ናይ ቤት መቕደስ ኣቀማምጣ ዝመስል ቅርጽን የሱስ ዝለበሶ ክዳንን እንታይ ኢዩ ተመልኪቱ ዘሎ፧ (ሐ) እቲ እተዓጠቖ ወርቃዊ ቅናት እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

9 ዮሃንስ ናብቲ ብርቱዕ ድምጺ ገጹ ግልጽ በለ እሞ: እዚ ዝስዕብ ከኣ ረኣየ:- “ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን: ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኤኹ።” (ራእይ 1:12) ጸኒሑ ኸኣ ዮሃንስ እዞም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ንምንታይ ከም ዘመልክቱ ይፈልጥ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ማእከል እቶም ቐወምቲ ቐንዴል ቈይሙ ዝነበረ ሰብ ኣቓልቦ ዮሃንስ ሰሓበ። “ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ: ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዐጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል” ነበረ። (ራእይ 1:13) ኣብዚ የሱስ እቲ “ወዲ ሰብ” ኣብ ቅድሚ እቲ ብፍርሂ እተዋሕጠ ምስክር: ዮሃንስ: ከም ሓደ ግርማዊ ዘንጸባርቕ ኣካል ኰይኑ ንነብሱ የቕርብ። ኣብ ማእከል ሃልሃልታ ናይቲ ቐንዴል ወርቂ ኸኣ ብዘንጸባርቕ ክብሪ ይርአ። እዚ ናይ ቤት መቕደስ ኣቀማምጣ ዝመስል ቅርጺ: የሱስ ከም ሓደ ናይ ፍርዲ ስልጣን ሒዙ ዝመጸ ናይ የሆዋ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ብምቕራቡ ንዮሃንስ መሰጦ። (እብራውያን 4:14፣ 7:21-25) እቲ ወለል ዝብል ማራኺ ክዳኑ ነቲ ናይ ክህነት መዓርጉ የረጋግጽ። ከምቶም ብጥንቲ ዝነበሩ ሊቀ ኻህናት ኣይሁድ ዝቕነትዎ ዝነበሩ ወርቃዊ ቅናት ክሳዕ ኣፍ ልቡ ይዕጠቕ: ንልቡ ድማ ይሽፍኖ። እዚ ኸኣ: ነቲ ካብ የሆዋ ኣምላኽ እተዋህቦ መለኮታዊ መዝነት ብምሉእ ልቡ ከም ዝፍጽሞ ዘመልክት ኢዩ።—ዘጸኣት 28:8, 30፣ እብራውያን 8:1, 2

10. (ሀ) እቲ ናይ የሱስ ኣስሓይታ ዝመስል ጻዕዳ ጸጕርን ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስል ዓይንን ንምንታይ የመልክት፧ (ለ) ኣእጋር የሱስ ከም ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ምዃኑ እንታይ ዘመልክት ኢዩ፧

10 እቲ ናይ ዮሃንስ መግለጺ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ: ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን።” (ራእይ 1:14) እቲ ከም ኣስሓይታ ዝምጽዕዳዉ ጸጕሪ ኸኣ ብምኽንያት ነዊሕ ዕድመ እተጠርየ ጥበብ የመልክት። (ምስ ምሳሌ 16:31 ኣረኣእዮ።) እቲ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀነ ዓይኑ ድማ ክምርምር: ክፍትን: ወይ ቍጥዓ ከርኢ ኸሎ በሊሕን ንቑሕን ምዃኑ የመልክት። አረ ኣእጋር የሱስ ከይተረፈ ኢዩ ኣቓልቦ ዮሃንስ ዝሰሓበ:- “ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ: ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ።” (ራእይ 1:15) ኣብቲ ትርኢት: ኣእጋር የሱስ ከም ብሩህ: ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ነበረ—እዚ ኸኣ ንሓደ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ብቕንእን ብጽቡቕ ኣቃውማን ዝመላለስ ሰብ ግቡእ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መለኮታዊ ነገራት ብወርቂ ክምሰል ከሎ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ንሰባት ዝምልከት ነገራት ብኣስራዚ ይምሰል ኢዩ። c ስለዚ ድማ እቲ ኸም ኣስራዚ ዘንጸባርቕ ኣእጋር የሱስ: ኣብ ምድሪ ብስራት ክነግር መጺኡ ኸሎ: ኣእጋሩ ክሳዕ ክንደይ “ጽቡቓት” ከም ዝነበራ ዘዘኻኽረና ኢዩ።—ኢሳይያስ 52:7፣ ሮሜ 10:15

11. (ሀ) እተን ግሩማት ኣእጋር የሱስ ብዛዕባ እንታይ የዘኻኽራና፧ (ለ) ድምጺ የሱስ ከም “ደሃይ ብዙሕ ማያት” ምዃኑ ንምንታይ ዘመልክት ኢዩ፧

11 ብሓቂ ኸኣ የሱስ ከም ፍጹም ሰብ መጠን ከምቲ ኣብ መላእኽትን ሰብን ዝርኤ ክብሪ ነበሮ። (ዮሃንስ 1:14) እተን ግሩማት ኣእጋሩ: ኣብቲ ቅዱስ ምድሪ-ቤት ናይታ ባዕሉ ሊቀ ኻህና ዝዀነ ማሕበር የሆዋ ይመላለስ ከም ዘሎ እውን የዘኻኽራና ኢየን። (ምስ ዘጽኣት 3:5 ኣረኣእዮ።) ብተወሳኺ ድምጹ ከም ሓደ ካብ ዓቢ መንጫዕጫዕታ ዝፈስስ ዘሎ ብርቱዕ ማይ ኢዩ። እዚ ነገራት እዚ ድማ ንሓደ ‘ንዓለም ብጽድቂ ክፈርድ’ ዝመጽእ ብወግዒ ቃል ኣምላኽ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝሰማማዕ ብምዃኑ ማራኽን መፍርህን ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:31፣ ዮሃንስ 1:1

12. እቲ “ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ” ንምንታይ ዘመልክት ኢዩ፧

12 “ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ አለውዎ: ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ: ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ። ምስ ርኤኽዎ ድማ: ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ።” (ራእይ 1:16, 17ሀ) የሱስ ቍሩብ ጸኒሑ ባዕሉ ትርጕም ናይቶም ሾብዓተ ከዋኽብቲ እንታይ ከም ዝዀነ ይገልጽ። እንተዀነ ግን: ካብ ኣፉ እንታይ ከም ዝወጽእ ኣስተብህል:- “ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ።” የሱስ እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ናይ መወዳእታ ፍርድታቱ ከውርድ ኢሉ ዝሾሞ ብምዃኑ እዚ ኣገላልጻ እዝስ ኣየ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! እቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ናይ ውሳነ ቃላት ምጥፋእ ናይ ኵላቶም እኩያት ሰባት ከስዕብ ኢዩ።—ራእይ 19:13, 15

13. (ሀ) እቲ ናይ የሱስ ብሩህ ዘንጸባርቕ መልክዕ እንታይ የዘዘኻኽረና፧ (ለ) ካብቲ ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስ ዝሃቦ መግለጺ እንታይ ሓፈሻዊ ምርዳእ ኢና እንረክብ፧

13 እቲ ናይ የሱስ ብሩህ: ዘንጸባርቕ መልክዕ: ነቲ የሆዋ ምስኡ ኣብ ደብረ ሲና ምስ ተዛረበ ገጹ ዘንጸባረቐ ሙሴ የዘኻኽረና። (ዘጸኣት 34:29, 30) ዳርጋ 2,000 ዓመታት ይገብር: የሱስ ኣብ ቅድሚ ሰለስተ ሃዋርያቱ ትርኢቱ ምስ ተለወጠ እውን ‘ገጹ ከም ጸሓይ ከም ዘብርሀ: ክዳኑውን ከም ብርሃን ከም ዝጻዕደወ’ ዘክር። (ማቴዎስ 17:2) ሕጂ ድማ: በቲ የሱስ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ብራእይ ዝቐረበሉ ግዜ ገጹ ብተመሳሳሊ ከም ሓደ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝቐረበ ዀይኑ ብርሃን የንጸባርቕ። (2 ቈረንቶስ 3:18) እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ ብሓፈሽኡ ናይ ክብሪ ምንጽብራቕ ኢዩ ዘረድእ። ካብቲ ከም ኣስሓይታ ዝምጽዕዳው ጸጕሪ: ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስል ዓይኒ: ከምኡውን ብሩህ ገጽ ክሳዕ እቲ ዘንጸባርቕ ኣእጋር ዘሎ: ብሉጽ ትርኢት ናይቲ ሕጂ “ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን” ዝነብር ዘሎ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:16) ሓቅነት ናይዚ ኵነታት እዚ ኣዝዩ ንጹር ኢዩ! እቲ ብፍርሂ እተዓብለለ ዮሃንስ ብኸመይ መለሰ፧ እቲ ሃዋርያ “ምስ ርኤኽዎ ድማ: ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ” ኢሉ ይነግረና።—ራእይ 1:17

14. ብዛዕባ እቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ዝገልጽ ዮሃንስ ዝረኣዮ ትርኢት ከነንብብ ከሎና ብኸመይ ኢና ክንትንከፍ ዝግባእ፧

14 ሎሚ እቲ ምልኩዕ: ዝርዝር መግለጺ ናይቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ትርኢት ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ልቦም ከም ዘማስዉ ዝገብሮም ኢዩ። ኣብቲ ዘሐጕስ ፍጻሜ ናይቲ ትርኢት ዝቕጽለሉ ዘሎ መዓልቲ ጐይታ ድሮ ንልዕሊ 90 ዓመታት ተጓዒዝና ኣሎና። ንዓና ናይ የሱስ መንግስታዊ ግዝኣት: መጻኢት ተስፋ ዘይኰነትስ ህያውን ሕጂ ክውንነት ዘለዋን ኢያ። ስለዚ እምበኣር: ከም እሙናት ተገዛእቲ ናይታ መንግስቲ መጠን: ነቲ ዮሃንስ ኣብዚ ቀዳማይ ትርኢት ቀጺሉ ዝገልጾ ብምህንጣይ ክንጥምት ከምኡውን ናይቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ቃላት ብምእዛዝ ክንሰምዕ ግቡእ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ዝርዝር መግለጺ ንምርካብ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 88-92, 215-18 ርአ።

b ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ሓንቲ ጉባኤ ካብ ሓደ ሃዋርያ መልእኽቲ ምስ እትቕበል: ካልኦትውን ካብቲ ምኽሪ ምእንቲ ክጥቀማ ነቲ መልእኽቲ ናብተን ካልኦት ጉባኤታት ምትሕልላፍ ልሙድ ኢዩ ነይሩ።—ምስ ቈሎሴ 4:16 ኣረኣእዮ።

c ኣብታ ናይ ሰሎሞን ቤት መቕደስ: ናይ ውሽጢ ስልማታትን ኣቝሕትን ብወርቂ እተሰርሐ ወይ ብወርቂ እተለበጠ ክኸውን ከሎ: እቲ ናይ ቤት መቕደስ ኣጸድ ግን ብናይ ኣስራዚ ኣቝሑ ዝመልአ ኢዩ ነይሩ።—1 ነገስት 6:19-23, 28-35፣ 7:15, 16, 27, 30, 38-50፣ 8:64

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]

ብዅዕታ መሬት እተረኽበ ናይተን ከተማታት ትርፍራፍ: ነቲ እተን ከተማታት ኣበይ ከም ዝነበራ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ የረጋግጾ። እቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናት: ነቲ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዋ ጉባኤታት ዘነቓቕሐን ዘሎ ናይ የሱስ ዘበራትዕ መልእኽትታት እተቐበልዎ: ኣብዚ ቦታታት እዚ ኰይኖም ኢዮም

ጴርጋሞስ

ስሚርና

ትያትራ

ሳርዴስ

ኤፌሶን

ፊላደልፍያ

ሎዲቅያ