ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግርማዊ ፍጻሜ ናይቲ ቅዱስ ምስጢር ኣምላኽ!

ግርማዊ ፍጻሜ ናይቲ ቅዱስ ምስጢር ኣምላኽ!

ምዕራፍ 26

ግርማዊ ፍጻሜ ናይቲ ቅዱስ ምስጢር ኣምላኽ!

1. (ሀ) እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ መፈጸምትኡ ከም ዝበጽሐ ዮሃንስ ብኸመይ ይሕብረና፧ (ለ) እቶም ጭፍራ መላእኽቲ ዓው ኢሎም ዝዛረቡ ስለምንታይ ኢዮም፧

 እቲ ኣብ ራእይ 10:1, 6, 7 ተመዝጊቡ ዘሎ እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ዝመሓሎ ትዝክሮዶ፧ ከምዚ በለ:- “ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ: ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ: እቲ [“ቕዱስ:” NW] ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም: ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር: ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን [“ምድንጓይ ኣይክህሉን:” NW] እዩ።” የሆዋ እቲ ናይ መወዳእታ መለኸት ክንፋሕ ዝመደቦ ግዜ በጺሑ! እቲ ቕዱስ ምስጢር ዝፍጸም ደኣ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ ዮሃንስ ንኽነግረና ብዙሕ ኢዩ ዝሕጐስ! ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ: ኣብ ሰማይ ከኣ: መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን ኰይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ: ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።” (ራእይ 11:15) እዞም ጭፍራ መላእኽቲ ዓው ብዝበለ: አረ ከም ነጐዳ ብዝጥዕም ድምጺ ክዛረቡ ምኽንያት ኣለዎም! ከመይሲ እዚ ታሪኻዊ ምልክታ እዚ ኣድማሳዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኢዩ። ንዅሎም ህያዋን ፍጡራት ኣዝዩ ዘገድስ ኢዩ።

2. እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣብ ዕዉት መወዳእታ ዝበጽሕ መዓስን ምስ እንታይ ፍጻመን ኢዩ፧

2 እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣብቲ ዘሐጕስ ፍጻሜኡ ይበጽሕ! ብ1914 ጐይታ የሆዋ ንክርስቶስ ከም መናግስቱ ምስ ሸሞ እቲ ቅዱስ ምስጢር ብግርማን ብዕቤትን ናብ ዕዉት መወዳእታ ይበጽሕ። ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኰይኑ: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከል እታ ጸላኢቱ ዝዀነት ናይ ደቅሰብ ዓለም ንጡፍ ግዝኣት ይጅምር። ከም መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ መጠን ንሰይጣንን ዘርኡን ንምጥፋእ ከምኡውን ገነታዊ ሰላም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንምምላስ ናይ መንግስቲ ስልጣን ይቕበል። (ዘፍጥረት 3:15፣ መዝሙር 72:1, 7) በዚ ኸምዚ: የሱስ ከም መሲሓዊ ንጉስ መጠን ቃል የሆዋ ክፍጽምን ከም ልዑላዊ ጐይታ መጠን “ንዘለኣለመ ኣለም” ክገዝእ ዘለዎ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ኣቦኡ ምዃኑ ከረጋግጽን ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:17

3. የሆዋ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ንጉስ ክነሱ ኣብ ምድሪ ካልእ ሉዓላውነታት ክህልዉ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 እንተዀነ ግን: ‘መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽና’ የሆዋ እትኸውን ከመይ ኢላ ኢያ፧ የሆዋ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ንጉስዶ ኸይኰነ፧ እዚ ሓቂ ኢዩ: ከመይሲ ኣሳፍ እቲ ሌዋዊ “ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንጉሰይ እዩ” ኢሉ ዘመረ። ካልእ ጽሓፍ መዝሙር ከኣ “እግዚኣብሄር ነጊሱ . . . ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ: ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ኢኻ” በለ። (መዝሙር 74:12፣ 93:1, 2) እንተዀነ ግን: የሆዋ ብጥበቡ ካልእ ሉዓላውነታት ኣብ ምድሪ ክህሉ ኣፍቀደ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ሰብ ብዘይ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ከመሓድር ብዛዕባ ምኽኣሉን ዘይምኽኣሉን ኣብ ኤደን ተላዒሉ ዝነበረ ክርክር ምሉእ ብምሉእ ተፈቲኑ ኢዩ። ናይ ሰብ ግዝኣት ብዘሕዝን መገዲ ፈሸለ። “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ዝብል ቃላት ናይቲ ነብዪ ኣምላኽ ብርግጽ ሓቂ ኢዩ። (ኤርምያስ 10:23) ካብቲ እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝኸድዕሉ ግዜ ኣትሒዙ: ምድሪ ብምልእታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰይጣን: እቲ “ናይ ጥንቲ ተመን:” ኢያ ነይራ። (ራእይ 12:9፣ ሉቃስ 4:6) ሕጂ ሓደ ሃንደበታዊ ለውጢ ዝዀነሉ ግዜ ኢዩ! የሆዋ እቲ ግቡእ ቦትኡ ንምርግጋጽ በታ እተመዘዘት መሲሓዊት መንግስቲ ገይሩ ብሓድሽ መገዲ ሉዓላውነቱ ኣብ ምድሪ ከዘውትር ይጅምር።

4. ምንፋሕ መለኸት ብ1922 ምስ ጀመረ እንታይ ኢዩ እተጋህደ፧ ግለጾ።

4 እቲ ሸውዓተ መለኸት ብ1922 ክንፋሕ ምስ ጀመረ: ኣብቲ ኣብ ሰዳር ፖይንት ኦሃዮ ብተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረ ዓቢ ኣኼባ: ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ” ዝብል ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ዝርርብ ሃበ። (ማቴዎስ 4:17) በዚ ቓላት እዚ ኸኣ ደምደመ:- “ኣቱም ደቂ እቲ ልዑል ኣምላኽ: እምበኣር ናብቲ ግራት ተመለሱ! ኣጽዋርኩም ዕጠቑ! ኣቕልቡ: ንቑሓት ኩኑ: ንጡፋት ኩኑ: ተብዓት ኩኑ። እሙናትን ሓቀኛታትን ምስክር ናይ ጐይታ ኩኑ። ኵሉ ኣሰር ናይ ባቢሎን ክሳዕ ዝባድም ኣብቲ ቃልሲ ንቕድሚት ቀጽሉ። ነቲ መልእኽቲ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ኣውጁ። ዓለም የሆዋ ኣምላኽ ምዃኑ የሱስ ከኣ ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይቶትን ምዃኑ ክትፈልጥ ኣለዋ። እዚኣ ካብ ኵለን መዓልትታት ዝበለጸት መዓልቲ ኢያ። ርኣዩ: እቲ ንጉስ ይገዝእ ኣሎ! ንስኻትኩም ወከልቱ ኢኹም። ስለዚ ነቲ ንጉስን ነታ መንግስትን ኣውጁ: ኣውጁ: ኣውጁ።” እታ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ ተጋህደት: እዚ ኸኣ እቲ ብምንፋሕ ናይቶም ሸውዓተ ናይ መላእኽቲ መለኸት እተኣወጀ ፍርድታት ዘጣመረ ዓቢ ዕዮ ስብከት ናይታ መንግስቲ ከም ዝጅመር ገበረ።

5. ብ1928 ኣብቲ ንምንፋሕ ናይቲ ሻውዓይ መለኸት ዘጕልሐ ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ኣኼባ እንታይ ኢዩ ዝዀነ፧

5 ምንፋሕ መለኸት ናይቲ ሻውዓይ መልኣኽ: ኣብቲ ካብ 30 ሓምለ ክሳዕ 6 ነሓሰ 1928 ኣብ ደትሮይት ሚቺጋን እተገብረ ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዓቢ ኣኼባ ብጕሉሕ ሓሳባት ተንጸባረቐ። ኣብቲ ግዜ እቲ 107 ናይ ፈነወ መደበራት ምስኡ ተተሓሒዙ ነበረ: ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ጋዜጣ ኸኣ ‘ኣብ ታሪኽ እቲ ዝሰፍሐን ዝኸበረን ናይ ራድዮ ፈነወ’ ኢሉ ገለጾ። ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ እቲ ብዛዕባ ናይ ሰይጣንን ናይዚ እኩይ ማሕበሩን ኣብ ኣርማጌዶን ምጥፋእ ከምኡውን ናይቶም ጽድቂ ዘፍቅሩ ኵሎም ሓራ ምውጻእ ዝገልጽ: ሓደ ብርቱዕ “ንየሆዋ ዝድግፍ ንሰይጣን ከኣ ዝጻረር ኣዋጅ” ብምዉቕ ስምዒት ተቐበሉ። እቶም እሙናት ተገዛእቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ: እታ መንግስቲ (እንግሊዝኛ) እትብሃል 368 ገጽ ዘለዋ ኣብ ዓቢ ኣኼባ ዝወጸት መጽሓፍ ብምርካቦም ተሓጒሶም ኢዮም። እዚኣ “ኣምላኽ ነቲ እተቐብአ ንጉሱ ብ1914 ኣብ ዝፋኑ ከም ዘቐመጦ” ኣዝዩ ብሩህ መረጋገጺ ሃበት።

የሆዋ ስልጣን ይሕዝ

6. ዮሃንስ ጸብጻብ ናይቲ ክርስቶስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተሸመ ዝገልጽ ምልክታ ብኸመይ የቕርቦ፧

6 ክርስቶስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ተቐሚጡ—እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዘምጽእ! ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ የቕርብ:- “እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፤ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን: ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወሰድካዮን ስለ ዝነገስካን: ነመስግነካ አሎና: እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ።”—ራእይ 11:16, 17

7. (ሀ) እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ናይቶም ምሳልያውያን 24 ሽማግለታት: (ለ) እቶም ናብ ሰማያዊ ቦትኦም ዝተንስኡ ምሳልያውያን 24 ሽማግሌታት: ንየሆዋ ምስጋና ዝህቡ ብኸመይ ኢዮም፧

7 እቶም ንእተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስ: ኣብ ሰማያዊ ቦትኦም ከለዉ: ዘመልክቱ 24 ሽማግለታት ኢዮም እዚ ምስጋና እዚ ንየሆዋ ኣምላኽ ዝህብዎ። ካብ 1922 ኣትሒዞም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ናይዞም 144,000 ቅቡኣት: ኣብቲ ብምንፋሕ ናይቲ መለኸት ክንቀሳቐስ ዝጀመረ ዕዮ ትሑዛት ኢዮም ዘለዉ። ምሉእ ትርጕም ናይቲ ኣብ ማቴዎስ 24:3–25:46 ዘሎ ምልክት ተገንዘብዎ። ይኹን እምበር: ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መዓልቲ ጐይታውን ከይተረፈ እቶም ድሮ ‘ክሳዕ ሞት እሙናት’ ዝዀኑ ብጾቶም መሰኻኽር ኣብ ሰማይ ቦትኦም ንኽሕዙ ካብ ሞት ተንሲኦም ኢዮም: ስለዚ ሕጂ ንብምሉኡ ጕጅለ ናይቶም 144,000 ወኪሎም ንየሆዋ ንምስጋድ ብግንባሮም ክድፍኡ ይኽእሉ ኢዮም። (ራእይ 1:10፣ 2:10) ኵሎም እዚኣቶም እቲ ሉዓላዊ ጐይትኦም ነቲ ቕዱስ ምስጢር ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ከብጽሖ ብዘይምድንጓዩ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣመስገንቲ ኢዮም!

8. (ሀ) ምንፋሕ ናይቲ ሻውዓይ መለኸት ኣብ ሃገራት እንታይ ሳዕቤን ኣሎዎ፧ (ለ) ሃገራት ቍጥዕኦም ዝገለጹ ኣንጻር መን ኢዮም፧

8 በቲ ሓደ ወገን: ምንፋሕ ናይቲ ሻውዓይ መለኸት ንሃገራት ኣየሐጕሶምን ኢዩ። ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ርእሲኦም ዝወርደሉ ግዜ በጺሑ ኢዩ። ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ኣህዛብ ተቘጢዖም: ቍጥዓኻውን መጺኡ: እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ: ንባሮትካ: ነቶም ነብያትን ቅዱሳትን ስምካ ንዚፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን: ዓስቦም እትህበሉ: ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ: በሉ።” (ራእይ 11:18) ካብ 1914 ኣትሒዞም ናይ ዓለም ሃገራት ብጭከና ኣብ ንሓድሕዶምን ኣንጻር መንግስቲ ኣምላኽን ብሕልፊ ኸኣ ኣንጻር እቶም ክልተ መሰኻኽር ተቘጥዑ።—ራእይ 11:3

9. ሃገራት ንምድሪ ብኸመይ ኢየን ኣበላሽየንኦ: ኣምላኽከ ብዛዕብኡ እንታይ ክገብር ኢዩ ወሲኑ፧

9 ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ: ሃገራት በቲ ዘይውዳእ ውግኣተንን ሕማቕ ምምሕዳረንን ንምድሪ ኣባላሽየንኣ ኢየን። ይኹን እምበር: ካብ 1914 ኣትሒዙ እዚ ምብልሻው እዚ ብዘሰምብድ ደረጃ ወሲኹ ኣሎ። ስስዐን ብልሽውናን ምድረ በዳ ከም ዝሰፍሕ: ብዙሕ ከፍሪ ዝኽእል መሬት ከኣ ከም ዝጠፍእ ገበረ። ኣቺዶ ዘለዎ ዝናብን ኣቶማዊ ጩራ ዘለዎ ደበናን ሰፊሕ ቦታታት ኣበላሽዩ ኢዩ። ምንጭታት መግቢ ተመሪዙ። እቲ እነተንፍሶ ኣየርን እንሰትዮ ማይን ተበኪሉ ኢዩ። ኢንዱስትሪያዊ ጕሓፍ ኣብ ምድርን ኣብ ባሕርን ንዘሎ ህይወት ከም ዘስግእ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ሓደ እዋን ከኣ ናይ ዓለም ሓያላት ብኑክሌራዊ ምጽናት ንጠቕላላ ደቅሰብ ከየጥፍኡ ኣስጊኦም ነይሮም። የሆዋ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ከጥፍኦም’፣ ኣብቶም ናይዚ ዘሕዝን ኵነታት ምድሪ ብሓላፍነት ዝሕተቱ ኣምላኽ ዘይብሎም ትዕቢተኛታት ሰባት ፍርዲ ከውርድ ምዃኑ ዘሐጕስ ኢዩ። (ዘዳግም 32:5, 6፣ መዝሙር 14:1-3) ስለዚ: የሆዋ ነቶም ገበርቲ እከይ ንምጽብጻብ ነቲ ሳልሳይ ወዮ የዳሉ።—ራእይ 11:4

ወዮ ነቶም መበላሸውቲ!

10. (ሀ) እቲ ሳልሳይ ወዮ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ሳልሳይ ወዮ ካብ ምስቓይ ንላዕሊ ዘምጽእ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

10 እንሆ እምበኣር እቲ ሳልሳይ ወዮ። ቀልጢፉውን ይመጽእ ኣሎ! የሆዋ በዚ ወዮ እዚ ገይሩ ነቶም ነዛ እንነብረላ ዘለና መርገጽ እግሩ ዝዀነት ደስ እተብል ምድሪ ዘርክሱ ከጥፍኦም ኢዩ። (ኢሳይያስ 66:1) እዚ በታ ቅዱስ ምስጢር ኣምላኽ ዝዀነት መሲሓዊት መንግስቲ ኢዩ ዝፍጸም። ጸላእቲ ኣምላኽ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ህዝበ-ክርስትያን: በቲ ናይ ኣንበጣ መዓትን ጭፍራ ፈረሰኛታትን ዝመጸ ናይ መጀመርታ ኽልተ ወዮ ተሳቕዮም ኢዮም፣ እቲ መንግስቲ የሆዋ ባዕላ እትፍጽሞ ሳልሳይ ወዮ ግን ካብ ምስቓይ ንላዕሊ ኢዩ ዝገብር። (ራእይ 9:3-19) ነዚ መባላሸዊ ሰብኣዊ ሕብረተሰብን ገዛእቱን ንምልጋስ ሞት የምጽእ። እዚ ኣብ ኣርማጌዶን ከም መዛዘሚ ፍርዲ የሆዋ ክፍጸም ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ዳንኤል “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም [ንምድሪ ዘበላሽውዋ ዘለዉ ገዛእቲ] ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ኢሉ እተነበዮ ኢዩ። ልክዕ ከም ዓቢ ከረን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብታ ግርማዊት ዝዀነት ምድሪ: ሉዓላውነት የሆዋ ብምርግጋጽን ንወድሰብ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ብምምጻእን ክትገዝእ ኢያ።—ዳንኤል 2:35, 44፣ ኢሳይያስ 11:9፣ 60:13

11. (ሀ) እቲ ትንቢት ዝገልጾ ቀጻሊ ዘሐጕስ ተኸታታሊ ፍጻመ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እንታይ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኢዩ ዝግለጽ: ብኸመይ: ብመንከ፧

11 እቲ ሳልሳይ ወዮ ኣብ መዓልቲ ጐይታ እናማዕበለ ብዝቕጽል ተኸታታሊ ዘሐጕስ ፍጻመታት እተሰነየ ኢዩ። ኣምላኽ ‘ንምውታት ዝፈርደሉ: ንባሮቱ: ነቶም ነብያትን ቅዱሳትን ስሙ ንዝፈርሁ ዓስቦም ዝህበሉ’ ግዜ እዩ። እዚ ትንሳኤ ምዉታት ማለት ኢዩ! ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መዓልቲ ጐይታ: ኣብቶም ብሞት ደቂሶም ዝነበሩ ቅቡኣትን ቅዱሳትን ድሮ ተፈጺሙ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:15-17) እቶም ዝተረፉ ቅዱሳት በብግዜኡ ብቕጽበት ብምትንሳእ ነዚኣቶም ይሓብርዎም። እቶም ናይ ጥንቲ ነብያት ባሮት ኣምላኽን: ካልኦት ካብቲ ዓቢ ጸበባ ዝድሕኑ ክፍሊ ናይ ዓቢ ጭፍራ ይኹኑ ወይ ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ናብ ህይወት ዝትንስኡ ‘ምዉታት ዓበይትን ናእሽቱን’: ኵሎም ንስም የሆዋ ዝፈርሑ ደቅሰባት ዓስቢ ክረኽቡ ኢዮም። እቲ ብኣምላኽ እተሸመ መሲሓዊ ንጉስ መርሖ ሞትን ሲኦልን ስለ ዘለዎ: እታ መንግስቱ ንኹሎም እቶም ነዚ ኽቡር ውህበት እዚ ዝበቕዑ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽህቦም መገዲ ክትከፍት ኢያ። (ራእይ 1:18፣ 7:9, 14፣ 20:12, 13፣ ሮሜ 6:22፣ ዮሃንስ 5:28, 29) ዘይመውት ህይወት ኣብ ሰማይ ይኹን ወይ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ምድሪ: እዚ ውህበት ህይወት እዚ ነፍሲ ወከፍ እተቐበሎ ንዘለኣለም ከመስግነሉ ዝኽእል ዘይንበቕዖ ሕያውነት የሆዋ ኢዩ!—እብራውያን 2:9

ታቦት ኪዳኑ ርኣዮ!

12. (ሀ) ብመሰረት ራእይ 11:19 ዮሃንስ ኣብ ሰማይ እንታይ ኢዩ ዝርኢ፧ (ለ) ታቦት ኪዳን ናይ እንታይ ምልክት ነበረ: እስራኤላውያን ናብ ባቢሎን ምስ ተማረኹኸ እንታይ ኰነ፧

12 የሆዋ ይገዝእ ኣሎ! በታ መሲሓዊት መንግስቱ ገይሩ ሉዓላውነቱ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ብዘገርም መገዲ የዘውትር ኣሎ። እዚ በቲ ዮሃንስ ቀጺሉ ዝርእዮ ተረጋጊጹ ኢዩ:- “እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት: ኣብታ መቕደሱውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ: በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን ድማ ዀነ።” (ራእይ 11:19) ኣብ መጽሓፍ ራእይ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ዝጥቀስ ኣብዚኣ ጥራይ ኢዩ። እቲ ታቦት: የሆዋ ምስ ህዝቡ እስራኤል ምህላዉ ዝገልጽ ርኡይ ምልክት ነበረ። ኣብቲ ማሕደር: ጸኒሑ ኸኣ ኣብታ ብሰሎሞን እተሃንጸት ቤት መቕደስ: ኣብ ቅድስተ ቕዱሳን ይቕመጥ ነበረ። እስራኤላውያን ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ባቢሎን ተማሪኾም ምስ ከዱ ግን: የሩሳሌም ባደመት: እቲ ታቦት ኪዳን ከኣ ጠፍአ። እዚ: ካብ ቤት ዳዊት ‘ኣብ ዝፋን እግዚኣብሄር ዝቕመጡ’ ነገስታት ምስ ኣቋረጹ ኢዩ ኰይኑ።—1 ዜና መዋእል 29:23 a

13. ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብታ ሰማያዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ብምርኣዩ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

13 ሕጂ: ልዕሊ 2,600 ዓመታት ጸኒሑ እንደገና እቲ ታቦት ኪዳን ተራእየ። ኣብቲ ናይ ዮሃንስ ትርኢት ግን እዚ ታቦት እዚ ኣብ ምድራዊት ቤት መቕደስ ኣይኰነን ዘሎ። ኣብታ ሰማያዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኢዩ እተራእየ። የሆዋ እንደገና ብሓደ ካብቲ ንጉሳዊ መስመር ዳዊት ዝዀነ ንጉስ ኣቢሉ ይገዝእ ኣሎ። ይኹን እምበር: ኣብዚ እዋን እዚ: እቲ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ፍርድታት የሆዋ ዝፍጽመሉ ክብ ዝበለ ቦታ ናይ ሰማያዊት የሩሳሌም ኢዩ ተሸይሙ። (እብራውያን 12:22) ዝቕጽል ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ራእይ ነዚ ክገልጸልና ኢዩ።

14, 15. (ሀ) ኣብ ጥንታዊት የሩሳሌም መን ጥራይ ኢዩ ነቲ ታቦት ክርእዮ ዝኽእል ዝነበረ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ኣብታ ሰማያዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ነቲ ታቦት ኪዳን ክርእይዎ ዝኽእሉ መን ኢዮም፧

14 ኣብታ ናይ ጥንቲ ምድራዊት የሩሳሌም እቲ ታቦት ኣብቲ ካብ ቅድስቲ ክፍሊ ብመጋረጃ እተሸፈነ ቅድስተ ቕዱሳን ስለ ዝነበረ: ብሓፈሽኡ ብእስራኤላውያን: በቶም ኣብ ቤት መቕደስ ዘገልግሉ ካህናትውን ከይተረፈ: ኣይርአን ኢዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 4:20፣ እብራውያን 9:2, 3) እቲ ሊቀ ኻህናት ጥራይ ኢዩ ኣብቲ ዓመታዊ መዓልቲ ምትዕራቕ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ ኸሎ ነቲ ታቦት ክርእዮ ዝኽአል ዝነበረ። እታ ሰማያዊት ቤት መቕደስ ምስ ተኸፍተት ግን እቲ ምሳልያዊ ታቦት ነቲ ናይ የሆዋ ሊቀ ኻህናት የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም 144,000 ንኡሳን ካህናት: ንዮሃንስውን ሓዊስካ ይርኣዮም ኢዩ።

15 እቶም ቀዳሞት ናብ ሰማይ ዝተንስኡ ከም ክፍሊ ናይቶም 24 ሽማግለታት: ኣብ ዙርያ ዝፋን የሆዋ ቦትኦም ስለ ዝሓዙ ነዚ ምሳሌያዊ ታቦት ብቐረባ ይርእይዎ። እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ክፍሊ ዮሃንስ ከኣ ህላዌ የሆዋ ኣብ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ከስተውዕል መንፈስ የሆዋ ኣብሪሁሉ ኢዩ። ወድሰብ ብሓፈሻ ነዚ ዘገርም ምዕባለ ምእንቲ ክነቕሓሉ ምልክታትውን ነይሩ ኢዩ። እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ትርኢት ብዛዕባ መብረቕ: ድምጺ: ነጐዳ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ከምኡውን በረድ ይዛረብ ኢዩ። (ምስ ራእይ 8:5 ኣረኣእዮ።) እዚኣቶም እንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧

16. መብረቕ: ድምጺ: ነጐዳ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ከምኡውን ብርቱዕ በረድ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብ ሃይማኖታዊ ግዝኣት ብርቱዕ ምንዓብ ኰነ። እዚ ‘ምንቅጥቃጥ ምድሪ’ እዚ ብድምጺ ናይቶም ብዛዕባ እታ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ ንጹር መልእኽቲ ዝነግሩ ውፉያት ሰባት ምስናዩ ዘሐጕስ ኢዩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነጐዳ ዝጥዕም ‘ማዕበል መጠንቀቕታታት’ ተሰምዐ። ነጸብራቓት ጥልቂ ምስትውዓል ናይቲ ትንቢታዊ ቃል ኣምላኽ ከም መብረቕ ተራእየን ተዘርግሐን። ኣንጻር ህዝበ-ክርስትያንን ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብሓፈሻን ብርቱዕ ‘በረድ’ ናይ መለኮታዊ ፍርድታት ተፈነወ። እዚ ዅሉ ናይ ሰባት ቆላሕታ ክስሕብ ይግብኦ ነይሩ። ዘሕዝን ግን መብዛሕትኦም: ከምቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ናይ የሩሳሌም ሰባት: ንመፈጸምታ ምልክታት መጽሓፍ ራእይ ካብ ምስትውዓሉ ሰነፉ።—ሉቃስ 19:41-44

17, 18. (ሀ) ምንፋሕ መለኸት ናይቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ህይወቶም ንዝወፈዩ ክርስትያናት እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ኣምጺኡሎም፧ (ለ) ክርስትያናት መዝነቶም ብኸመይ ይፍጽምዎ ኣለዉ፧

17 እቶም ሸውዓት መላእኽቲ ኣብ ምድሪ ዝኸውን ታሪኻዊ ፍጻመታት ብምምልካት መለኸቶም ምንፋሕ ይቕጽሉ። ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ነዚ ምልክታታት እዚ ንዓለም ንኽእውጁ ዓቢ ሓላፍነት ኣለዎም። ነዚ መዝነት እዚ ክፍጽሙ ከለዉ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሕጕሳት ኢዮም! እዚ ኸኣ በቲ ካብ 1986 ክሳዕ 2005 ዝነበረ ዕስራ ዓመት: እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝነበረ ዓመታዊ ናይ ኣገልግሎት ጸብጻቦም ዳርጋ ዕጽፊ ዝኸውን: ማለት ካብ 680,837,042 ናብ 1,278,235,504 ክብ ብምባሉ ክርአ ይከኣል ኢዩ። ብሓቂ: እቲ ‘[“ቕዱስ:” NW] ምስጢር ኣምላኽ ከምቲ ዘበሰሮም’ “ክሳዕ ወሰን ዓለም” ይንገር ኢዩ ዘሎ።—ራእይ 10:7፣ ሮሜ 10:8

18 ዕላማታት መንግስቲ ኣምላኽ እናተገልጸ ክኸይድ ከሎ: ካልእ ትርኢታት እውን ይጽበየና ኣሎ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ታሲቱስ እተባህለ ሮማዊ ጸሓፍ ታሪኽ: የሩሳሌም ብ63 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ተታሕዘት እሞ ክነዮስ ፖምፐዮስ ድማ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ናይታ ቤት መቅደስ ምስ ኣተወ ጥራዩ ኢዩ ጺኒሑዎ ኢሉ ጸብጻብ የቕርብ። ኣብ ውሽጡ ታቦት ኪዳን ኣይነበረን።—ታሲቱስ ሂስትሪ 5, 9 (እንግሊዝኛ)

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 173 ዘሎ ሳጹን]

ጕሉሕ ሓሳባት ናይቲ ከም ደሃይ መለኸት ዝመስል ኣዋጅ ፍርዲ የሆዋ

1. 1922 ኣብ ሴዳር ፖይንት ኦሃዮ:- ናይ ህዝበ-ክርስትያን መራሕቲ ኣብ ሃይማኖትን ፖለቲካን ዓበይቲ ንግድን ንምድሪ ሰላምን ብልጽግናን ሓጐስን ንምምጻእ ብምስናፎም መርትዖ ከምጽኡ ብድሆ ይቐርቦም። ናይዚ ፈውሲ መሲሓዊት መንግስቲ ኢያ።

2. 1923 ኣብ ሎስ ኣንጀልስ ካሊፎርንያ:- እቲ “ኵሎም ህዝብታት ሕጂ ናብ ኣርማጌዶን ይጓዓዙ ኣለዉ: እንተዀነ ግን ሚልዮናት ሕጂ ብህይወት ዘሎዉ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም” ዝብል ህዝባዊ ዝርርብ ነቶም ሰላም ዘፍቅሩ “ኣባጊዕ” ነቲ ሞት ዘስዕብ ሰብኣዊ ባሕሪ ክጥንጥንዎ ጻውዒት ገበረ።

3. 1924 ኣብ ኮሎምቡስ ኦሃዮ:- ገዛእ ርእሶም ክብ ብምባሎምን ብዛዕባ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ምስባኽ ብምእባዮምን ኣቕሽሽቲ ተኸሲሶም። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዛዕባ ምፍዳይ ሕነ ኣምላኽ ክሰብኩን ነቶም ዝሓዝኑ ዘለዉ ደቅሰብ ከጸናንዑን ኣለዎም።

4. 1925 ኣብ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና:- ነቲ ሰላም: ብልጽግና: ጥዕና: ህይወት: ሓርነት: ከምኡውን ዘለኣለማዊ ሓጐስ ዘለዎ ብሩህ መብጽዓ ናይታ መንግስቲ ምስቲ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘሎ ጸልማት ብምንጽጻር ናይ ተስፋ መልእኽቲ ይንገር።

5. 1926 ኣብ ለንደን ኢንግላንድ:- ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝነጸጉን ምውላድ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ክብ ምባል ከም ዝኣበዩን ዘቃልዕ ኣንበጣ መሰል መዓት ኣብ ልዕሊ ህዝበ-ክርስትያንን ኣቕሽሽታን ወረደ።

6. 1927 ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ:- ልክዕ ከም ብሰራዊት ፈረሰኛታት ዝበጽሕ ጻውዒት: ሰባት ነቲ ‘ብማሕበር ዝቘመ ክርስትና’ ሓዲጎም ኣብ የሆዋ ኣምላኽን ንጉሱን መንግስቱን ልባዊ ተኣማንነት ክገብሩ ይዕደሙ።

7. 1928 ኣብ ዴትሮይት ሚቺጋን:- እቲ ብ1914 እተሸመ: ብኣምላኽ እተቐብአ ንጉስ ንእኩይ ማሕበር ሰይጣን ከጥፍኦ: ንወድሰብ ከኣ ሓራ ክገብሮ ምዃኑ ዝገልጽ: ንየሆዋ ዝድግፍ ንሰይጣን ከኣ ዝጻረር ኣዋጅ ተኣወጀ።

[ኣብ ገጽ 175 ዘሎ ሳጹን]

ንምድሪ ምብልሻው

“ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ካልኢት ካብቲ ናይ ተፈጥሮ ዱር ክንዲ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ ዝኣክል ይጠፍእ። . . . ምብራስ ናይቲ ቀንዲ ዱር ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዘርኢ ናይ ኣትክልትን እንስሳታትን የጽንት ኣሎ።”—ኢላስትሬይትድ ኣትላስ ኦቭ ዘ ወርልድ (ራንድ ማክናሊ: እንግሊዝኛ)

“ንኽልተ ክፍለ-ዘበናት መንበሪ ምስ ኰነ ጥራይ: [እቲ ዓበይቲ ቐላያት] እውን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መአከብ ርስሓት ኰነ።”—ዘ ግሎብ ኤንድ ሜይል (ካናዳ: እንግሊዝኛ)

ኣብ ሚያዝያ 1986 እቲ ኣብ ቸርኖቢል: ዩክረይን ዝነተጐን እተባርዐን ናይ ኑክሌራዊ ሓይሊ መደበር: “ድሕርቲ ናይ ሂሮሺማን ናጋሳክን ምድብዳብ . . . እቲ ኣዝዩ ርኡይ ኑክሌራዊ ፍጻመ ኢዩ ነይሩ: እቲ ኣብ ናይ ዓለም ኣየር: ላዕለዋይ ክፋል ሓመድ: ከምኡውን ማይ” ዝሰደዶ “ኣቶማዊ ጩራ ክንድቲ ክሳዕ ሎሚ ተገይሩ ዘሎ ኑክሌራዊ ፈተነታትን ዝነተጐ ቦምባታትን ኢዩ።”—ጃማ: ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ (እንግሊዝኛ)

ኣብ ሚናማታ: ጃፓን ሓንቲ ናይ ኬሚካል ትካል ኣብቲ ወሽመጥ ናይቲ ባሕሪ መታልመርኩሩ ኸዓወት። በቲ እተኻዕወ ኬሚካል እተበከሉ ዓሳታት ምብላዕ: ሚናማታ እተባህለ “ሕዱር ናይ መትንታት ሕማም ኣምጽአ። . . . ክሳዕ [1985] ኣብ ብዘላ ጃፓን 2,578 ሰባት ሕማም ሚናማታ ከም ዘሎዎም ተፈሊጦም።”—ኢንተርናሽናል ጆርናል ኦፍ ኤፒደሚዮሎጂ (እንግሊዝኛ)

[ኣብ ገጽ 176 ዘሎ ሳጹን]

እቲ ኣብ ራእይ 11:15-19 ዘሎ ከቢድ ኣዋጃት: ናይቲ ዝስዕብ ትርኢታት መኽፈቲ ኢዩ። ራእይ ምዕራፍ 12 ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ነቲ ኣብ ራእይ 11:15, 17 ዘሎ ዓቢ ምልክታ ብዝርዝር የጕልሖ። ምዕራፍ 13 ኸኣ ምንጭን ኣመዓባብላን ናይቲ ንምድሪ ዘዕነዋ ፖለቲካዊ ማሕበር ሰይጣን ክገልጽ ከሎ: ንራእይ 11:18 ንምርዳእ መሰረት ይህብ። ምዕራፍ 14 ከምኡውን 15 ምስቲ ምንፋሕ ናይ ሻውዓይ መለኸትን ሳልሳይ ወዮን እተተሓሓዘ ተወሳኺ ናይታ መንግስቲ ፍርድታት ይዝርዝር።

[ኣብ ገጽ 174 ዘሎ ስእልታት]

የሆዋ ‘ንመጥፋእቲ ምድሪ ከጥፍእ’ ኢዩ