ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥዑምን መሪርን መልእኽቲ

ጥዑምን መሪርን መልእኽቲ

ምዕራፍ 24

ጥዑምን መሪርን መልእኽቲ

ትርኢት 6​—ራእይ 10:1–11:19

ቀንዲ መልእኽቲ:- ትርኢት ናይታ ንእሽቶ ጥቕላል፣ ብዛዕባ ቤት መቕደስ ዝገልጽ ተመክሮታት፣ ምንፋሕ ናይቲ ሻውዓይ መለኸት

ዝፍጸመሉ ግዜ:- ካብቲ የሱስ ዝነገሰሉ ዓመት ናይ 1914 ክሳዕ እቲ ዓቢ ጸበባ

1, 2. (ሀ) እቲ ኻልኣይ ወዮ እንታይ ኣምጽአ: እዚ ወዮ እዚ ዝውዳእከ መዓስ ኢዩ፧ (ለ) ዮሃንስ ካብ ሰማይ ክወርድ ከሎ ዝርእዮ ንመን ኢዩ፧

 እቲ ኻልኣይ ወዮ መዕነዊ ኢዩ ነይሩ። እቲ መዓት ኣብቶም ብመንፈስ ምዉታት ምዃኖም እተቓልዑ “ሲሶ ሰብ”—ህዝበ-ክርስትያንን መራሕታን—ወረደ። (ራእይ 9:15) ብድሕርዚ ዮሃንስ እቲ ሳልሳይ ወዮ እንታይ ከምጽእ ከም ዝኽእል ተገሪሙ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ተጸበ! እቲ ኻልኣይ ወዮ ክሳዕ ኣብቲ ኣብ ራእይ 11:14 ዘሎ ነጥቢ እንበጽሕ ገና ኣይተወድአን። ቅድሚኡ ግን: ዮሃንስ ባዕሉ ብንጥፈት ዝካፈለሉ ናይ ፍጻመታት ለውጢ ክምስክር ነበሮ። ብሓደ ዘፍርህ ትርኢት ከኣ ኢዩ ዝጅምር:-

2 “ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ደበና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስቲ ደበና አሎ: ገጹ ድማ ከም ጸሓይ እዩ: ኣእጋሩውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ እየን።”—ራእይ 10:1

3. (ሀ) እቲ “ብርቱዕ መልኣኽ” መን ኢዩ፧ (ለ) ትርጕም ናይቲ ኣብ ርእሱ ዘሎ ቀስቲ ደበና እንታይ ኢዩ፧

3 እዚ “ብርቱዕ መልኣኽ” እዚ መን ኢዩ፧ እቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ካልእ መዝነት ሒዙ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ነቲ ኸም ዘይርአ ዝገብሮ ደበና ኢዩ ተወንዚፉ: እዚ ኸኣ ነተን ዮሃንስ ኣቐዲሙ ብዛዕባ የሱስ “እንሆ: ብደበና ይመጽእ አሎ: ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም” ዝበለን ቃላት የዘኻኽረና። (ራእይ 1:7፣ ምስ ማቴዎስ 17:2-5 ኣረኣእዮ።) እቲ ኣብ ርእሱ ዘሎ ቀስቲ ደበና ነቲ ዮሃንስ ኣቐድም ኣቢሉ ብዛዕባ ዝፋን የሆዋ ዝረኣዮ “ስመራግድ ዚመስል ቀስቲ ደበና” የዘኻኽረና። (ራእይ 4:3፣ ምስ ህዝቅኤል 1:28 ኣረኣእዮ።) እቲ ቀስቲ ደበና እቲ: ነቲ ኣብ ዙርያ ዝፋን ኣምላኽ ዘሎ ህድኣትን ሰላምን የመልክት። ብተመሳሳሊ መገዲ እቲ ኣብ ርእሲ እቲ መልኣኽ ዘሎ ቀስቲ ደበና: ንሱ እቲ የሆዋ ብትንቢት እተዛረበሉ “መስፍን ሰላም:” ፍሉይ ናይ ሰላም መልእኽተኛ ምዃኑ የመልክት።—ኢሳይያስ 9:6, 7

4. (ሀ) ገጽ እቲ መልኣኽ “ከም ጸሓይ” ምንባሩ እንታይ የመልክት፧ (ለ) ኣእጋር እቲ መልኣኽ “ከም ኣዕኑድ ሓዊ” ምንባሩ እንታይ የመልክት፧

4 ገጽ ናይቲ ብርቱዕ መልኣኽ “ከም ጸሓይ” ነበረ። ዮሃንስ ኣብቲ ኣቐድም ኣቢሉ ንየሱስ ኣብ መለኮታዊ ቤት መቕደስ ዝረኣዮ ትርኢት: ገጽ የሱስ “ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ” ምንባሩ ኣስተብሂሉ ነይሩ ኢዩ። (ራእይ 1:16) የሱስ “ጸሓይ ጽድቂ” ከም ምዃኑ መጠን ንጥቕሚ እቶም ንስም የሆዋ ዝፈርሑ በኽናፍ ምሕዋይ ክመጽእ ኢዩ። (ሚልክያስ 4:2) ናይዚ መልኣኽ እዚ ገጽ ጥራይ ዘይኰነ ኣእጋሩ እውን “ከም ኣዕኑድ ሓዊ” ግርማዊ ኢዩ። እቲ ጽኑዕ ኣቕዋሙ ድማ: ከም ሓደ የሆዋ ኣምላኽ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” ዝሃቦ ኢዩ።—ማቴዎስ 28:18፣ ራእይ 1:14, 15

5. ዮሃንስ ኣብ ኢድ እቲ ብርቱዕ መልኣኽ እንታይ ይርኢ፧

5 ዮሃንስ ተወሳኺ ነገር ይርኢ:- “ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] አላቶ። ነታ የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ረገጸላ: ነታ ጸጋመይቲ ድማ ኣብ ምድሪ ረገጸላ።” (ራእይ 10:2) ሕጂ ኸኣ ካልእ ጥቕላል፧ እወ: ሕጂ ግን እተሓትመት ኣይኰነትን። ንሕናውን ቀልጢፍና ምስ ዮሃንስ ኴንና ተወሳኺ ባህ ዘብል ነገራት ክንርኢ ክንጽበ ንኽእል ኢና። መጀመርታ ግን ናይቲ ክስዕብ ዘለዎ ኣቀማምጣ ክወሃበና ኢዩ።

6. (ሀ) ኣእጋር የሱስ ኣብ ምድርን ኣብ ባሕርን ኣሎ ክብሃል ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) መዝሙር 8:5-8 ምሉእ ብምሉእ እተፈጸመ መዓስ ኢዩ፧

6 ናብቲ ንየሱስ እተዋህቦ መግለጺ ንመለስ። እቲ ሓዊ ዝመስል ኣእጋሩ ኣብቲ ሕጂ ምሉእ ስልጣን ዘዘውትረሉ ዘሎ ምድርን ባሕርን ኢዩ ዘሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ትንቢታዊ መዝሙር እተባህለ ኢዩ:- “[የሆዋ] ካብ መላእኽቲ [ንየሱስ] ቕሩብ ኣንኣስካዮ: ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ። ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ: ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ: ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓን: ንእንስሳታት በረኻውን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን።” (መዝሙር 8:5-8፣ እብራውያን 2:5-9 እውን ርአ።) እዚ መዝሙር እዚ ብ1914 የሱስ ከም ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ነገሰን ግዜ መወዳእታ ኸኣ ምስ ጀመረን ምሉእ ብምሉእ ተፈጸመ። ስለዚ እቲ ዮሃንስ ኣብዚ ብትርኢት ዝርእዮ ካብቲ ዓመት እቲ ኣትሒዙ ኢዩ ዝፍጸም።—መዝሙር 110:1-6፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:34-36፣ ዳንኤል 12:4

እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት

7. እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ዝጭድር ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ኢዩ: ትርጕም ናይ ጭድርትኡኸ እንታይ ኢዩ፧

7 ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ብርቱዕ መልኣኽ እዚ እናስተንተነ ኸሎ: እቲ መልኣኽ ባዕሉ ከምዚ ብምባል የቋርጾ:- “ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጨደረ ኸኣ: እቶም ሾብዓት ነጐዳታት ብድምጾም ተዛረቡ።” (ራእይ 10:3) ከምዚ ዝበለ ብርቱዕ ጭድርታ: የሱስ ብሓቂ “እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” ምዃኑ ብምርግጋጽ ናይ ዮሃንስ ኣቓልቦ ስሓበ። (ራእይ 5:5) ሓድሓደ ግዜ የሆዋ እውን “ዚጓዝም” ይብሃል ከም ዝዀነ ዮሃንስ ይፈልጦ ኢዩ። ናይ የሆዋ ምጕዛም ብትንቢት እንደገና ምእካብ ናይቶም መንፈሳውያን እስራኤል ከምኡውን ምምጻእ ናይታ መጥፍኢት “መዓልቲ እግዚኣብሄር” ይነግር። (ሆሴእ 11:10፣ ዮኤል 3:14, 16፣ ኣሞጽ 1:2፣ 3:7, 8) እምበኣር እቲ ናይዚ ብርቱዕ መልኣኽ እዚ ከም ናይ ኣንበሳ ዝጥዕም ምጕዛም: ተመሳሳሊ ዓበይቲ ፍጻመታት ኣብ ባሕርን ምድርን ከም ዝፍጸም ኣቐዲሙ ይነግር። እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት ክዛረቡ ይጽውዖም።

8. ‘ድምጺ ናይቶም ሾብዓተ ነጐዳታት’ እንታይ ኢዩ፧

8 ዮሃንስ ኣቐድም ኣቢሉ ካብቲ ዝፋን የሆዋ ነጐዳታት ሰሚዑ ነይሩ ኢዩ። (ራእይ 4:5) ናብ ግዜ ዳዊት ምልስ እንተድኣ ኢልና: ሓድሓደ ግዜ ቃል ብቓሉ ነጐዳታት ከም “ድምጺ እግዚኣብሄር” ገይርካ ይዝረበሉ ነበረ። (መዝሙር 29:3) ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ: የሆዋ ስሙ ምእንቲ ከኽብር ዕላምኡ ብድምጺ ክእውጅ ከሎ: ንብዙሓት ነጕዲ ይመስሎም ነበረ። (ዮሃንስ 12:28, 29) ስለዚ እቲ ‘ድምጺ ናይቶም ሾብዓተ ነጐዳታትሲ’ የሆዋ ባዕሉ ዕላማታቱ ዝገልጸሉ ድምጺ ኢዩ ኢልና ክንድምድም ምኽንያታዊ ኢዩ። “ሾብዓተ” ነጐዳታት ብምንባሮም ድማ እቲ ዮሃንስ ዝሰምዖ ድምጺ ምልኣት ከም ዝነበሮ የመልክት።

9. እቲ ናይ ሰማይ ድሃይ እንታይ ይእዝዝ፧

9 እንተዀነ ግን ጽን እስከ በል! ካልእ ድምጺ ይስማዕ ኣሎ። ንዮሃንስ ዘገርም ኰይኑ ዝስምዖ ትእዛዝ ይህቦ:- “እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡ: ኣነ ኽጽሕፍ ደሌኹ። ካብ ሰማይውን፤ ነቲ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎስ ሕተሞ ኣይትጽሐፎ: ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ።” (ራእይ 10:4) ልክዕ ከምቲ ሎሚ እቲ ክፍሊ ዮሃንስ ብህንጥዮት የሆዋ ነቲ መለኮታዊ ዕላምኡ ብጽሑፋት ክገልጽ እተጸበየ: ዮሃንስ ከኣ ነቲ ብነጕዲ ዝመጾ መልእኽቲ ሰሚዑ ክጽሕፎ ተሃንጥዩ ነይሩ ይኸውን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ምግላጽ ኣብቲ ናይ የሆዋ ምዱብ ግዜ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን።—ሉቃስ 12:42፣ ከምኡውን ዳንኤል 12:8, 9 ርአ።

መፈጸምታ ናይቲ ቅዱስ ምስጢር

10. እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ብመን ኢዩ ዝምሕል: ብዛዕባ እንታይከ ኢዩ ዝመሓለ፧

10 ክሳዕ ሽዑ: የሆዋ ንዮሃንስ ካልእ መዝነት ሃቦ። እቲ ሸውዓተ ነጐዳታት ድሕሪ ምንጓዱ ኸኣ: እቲ ብርቱዕ መልኣኽ እንደገና ከምዚ ኢሉ ይዛረብ:- “እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝርኤኽዎ መልኣኽ ድማ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ዘርግሓ እሞ: . . . ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን [“ምድንጓይ ኣይክህሉን:” NW] እዩ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎን: ንምድርን ኣብኣ ዘሎን: ንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ: ንዘለኣለመ ኣለምውን ህያው ኰይኑ ዚነብር መሐለ።” (ራእይ 10:5, 6) እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ዝምሕል ብመን ኢዩ፧ እቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ብርእሱ ዘይኰነስ: በቲ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ: ዘይመውት: ሰማያትን ምድርን ዝፈጠረ የሆዋ ኢዩ ዝመሓለ። (ኢሳይያስ 45:12, 18) እቲ መልኣኽ በዚ ማሕላ እዚ ገይሩ ንዮሃንስ: ብወገን ኣምላኽ ተወሳኺ ምድንጓይ ከም ዘይህሉ የረጋገልጸሉ።

11, 12. (ሀ) “ደጊምሲ ምድንጓይ ኣይክህሉን እዩ” ክብል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ፍጻሜኡ ዝበጽሕ እንታይ ኢዩ፧

11 እታ ኣብዚ “ምድንጓይ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ክሮʹኖስ ኢያ: ቃል ብቓሉ ድማ “ግዜ” ማለት ኢያ። ስለዚ ገለ ሰባት ግዜ ከም ዝውዳእ ገይሮም ብምውሳድ እቲ መልኣኽ ዝኣወጆ “ተወሳኺ ግዜ ኣይክህሉን ኢዩ” ተባሂሉ ክትርጐም ይግብኦ ኢሎም ይሓስቡ። ኣብዚ ግን እታ ክሮʹኖስ እትብል ቃል ብዘይ ውሱን ኣመልካቲ ስም ኢያ ኣትያ ዘላ። ስለዚ ብሓፈሽኡ ግዜ ማለት ኣይኰነትን: ኣብ ክንድኡ ግን “ሓደ ግዜ” ወይ “እተወሰነ ንውሓት ዘለዎ ግዜ” ማለት ኢያ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ብየሆዋ ካልእ ተወሳኺ ንውሓት ግዜ (ወይ ምድንጓይ) ኣይክህሉን ኢዩ። ኣብ እብራውያን 10:37 እውን ሓንቲ ካብ ክሮʹኖስ ዝመጸት ናይ ግሪኽ ግሲ ኢዩ ጳውሎስ ተጠቒሙ: ኣብኡ ኸኣ ካብ ኣንባቆም 2:3, 4 ጠቒሱ “እቲ ዚመጽእ . . . ኣይኪድንጕን . . . እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።

12 “ደጊምሲ ምድንጓይ ኣይክህሉን እዩ” ዝብላ ቃላትሲ: ነቲ ዝሽምግል ዘሎ ክፍሊ ዮሃንስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝማርኻ ኰን እየን! በየናይ መገዲ ኢዩ ምድንጓይ ዘይህሉ፧ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ይሕብረና:- “ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ: ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ: እቲ [“ቕዱስ:” NW] ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም: ሽዑ ኺፍጸም እዩ።” (ራእይ 10:7) እቲ የሆዋ ነቲ ቅዱስ ምስጢሩ ብግርማዊ ዓወት ኣብቲ ዘሐጕስ ፍጻሜኡ ዘብጽሖ እዋን ኣትዩ ኢዩ!

13. እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧

13 እዚ ቕዱስ ምስጢር እዚ እንታይ ኢዩ፧ ነቲ መጀመርታ ኣብ ገነት ኤደን መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ዘጣምር ኢዩ: እዚ ኸኣ ብቐዳማይ ደረጃ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:16) ምስ መንነት ናይታ እቲ ዘርኢ ካብኣ ዝመጽእ ሰበይቲውን እተተሓሓዘ ኢዩ። (ኢሳይያስ 54:1፣ ገላትያ 4:26-28) ብተወሳኺ ንኻልኣይ ደረጃ ኣባላት እቲ ክፍሊ ዘርእን ነታ እቲ ዘርኢ ዝገዝኣላ መንግስትን የጣምር። (ሉቃስ 8:10፣ ኤፌሶን 3:3-9፣ ቈሎሴ 1:26, 27፣ 2:2፣ ራእይ 1:5, 6) ብዛዕባ እዛ ፍልይቲ ዝዀነት ሰማያዊት መንግስቲ ዝገልጽ ብስራት ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ክስበኽ ኣለዎ።—ማቴዎስ 24:14

14. እቲ ሳልሳይ ወዮ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ብርግጽ እዚ እቲ ዝበለጸ ወረ ኢዩ። ምስናይዚ ግን ኣብ ራእይ 11:14, 15 እቲ ሳልሳይ ወዮ ምስታ መንግስቲ ተተሓሒዙ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ነቶም ነዚ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዝመርጹ ሰባት: ምንፋሕ ናይቲ ቅዱስ ምስጢር ኣምላኽ ከም እተፈጸመ ዝነግር ብስራት—እዚ ኸኣ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ዝገልጽ—ወዮ ዝመልኦ ወረ ኢዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 2:16 ኣረኣእዮ።) እዚ ድማ እቲ ንሳቶም ኣዝዮም ዝፈትውዎ ናይ ዓለም ስርዓት ምጥፍኡ ቀሪቡ ማለት ኢዩ። እዚ ናይ ጥፍኣት ሓያል መጠንቀቕታ ዝሓዘ ድምጺ ናይቲ ሸውዓተ ነጐዳታት: እታ ዓባይ መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ የሆዋ እናቐረበት ክትመጽእ ከላ ዝያዳ ግልጽን ዓው ዝበለን እናዀነ ይኸይድ ኣሎ።—ጸፎንያስ 1:14-18

እታ ግንጽልቲ ጥቕላል

15. እቲ ካብ ሰማይ ዝስማዕ ድምጽን እቲ ብርቱዕ መልኣኽን ንዮሃንስ እንታይ ይነግርዎ: ኣብ ዮሃንስከ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧

15 ዮሃንስ: ምንፋሕ ናይቲ ሻውዓይ መለኸትን እቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ መፈጸምታ ክበጽሕን እናተጸበየ ኸሎ: ከምዚ ዝብል ተወሳኺ ዕዮ ተዋህቦ:- “እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፤ ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ውሰዳ: ኢሉ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ተዛረበ። ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ: ነታ መጽሓፍ ሀበኒ: በልክዎ። ንሱ ኸኣ፤ ውሰዳ እሞ ብልዓያ: ንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ: ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ: በለኒ። ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ [“ጥቕላል:” NW] ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ: ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዐመትኒ: ምስ ባላዕክዋ ግና: ከብደይ መረረ እሞ፤ ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን ክትንበ ይግብኣካ እዩ: ተባህለለይ።”—ራእይ 10:8-11

16. (ሀ) ነብዪ ህዝቅኤል ከም ናይ ዮሃንስ ዝመስል ተመክሮ ዝነበሮ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እታ ንእሽቶ ጥቕላል ንዮሃንስ ከም መዓር ዝጠዓመቶ ስለምንታይ ኢያ: ኣብ ምሕቃቕ ዝመረረት ግን ስለምንታይ ኢያ፧

16 ተመክሮ ናይ ዮሃንስ ምስቲ ነብዪ ህዝቅኤል ኣብ ሃገር ባቢሎን ተማሪኹ ከሎ ዝነበሮ ኵነታት ዝመሳሰል ኢዩ። ንሱውን ነታ ኣብ ኣፉ ጥዕምቲ ዝነበረት ጥቕላል ክበልዓ ተኣዘዘ። ኣብ ከብዱ ምስ ኣተወት ግን ነታ ዓለወኛ ቤት እስራኤል መሪር ነገራት ክነግር ሓላፍነት ከም ዝህልዎ ገበረቶ። (ህዝቅኤል 2:8–3:15) እቲ ክብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ንዮሃንስ ዝህቦ ግንጽልቲ ጥቕላልውን ብተመሳሳሊ መለኮታዊ መልእኽቲ ዝሓዘት ኢያ። ዮሃንስ ከኣ ብዛዕባ “ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን” ክሰብኽ ነበሮ። እዛ ጥቕላል እዚኣ ካብ መለኮታዊ ምንጪ ስለ ዝዀነት ምብላዓ ንዕኡ ጥዑም ኢዩ። (ምስ መዝሙር 119:103፣ ኤርምያስ 15:15, 16 ኣረኣእዮ።) ኣብ ምሕቃቕ ግን መራር ኰይና ኢዩ ረኺብዋ ምኽንያቱ—ልክዕ ከምቲ ኣቐዲሙ ምስ ህዝቅኤል ዝዀነ—ንዓለወኛታት ሰባት ዘይጥዑም ነገራት ኢያ እትነግር።—መዝሙር 145:20

17. (ሀ) እቶም ንዮሃንስ “ከም ብሓድሽ” ክንበ ዝነገርዎ መን ኢዮም: እዚኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) እቲ ብዮሃንስ እተራእየ ህያው ኣቀራርባ መዓስ ኢዩ ዝፍጸም፧

17 እቶም ንዮሃንስ ከም ብሓድሽ ክንበ ዝእዝዝዎስ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ከም ዝዀኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዮሃንስ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተኣሲሩ እኳ እንተ ነበረ: በቲ ክሳዕ ሕጂ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተመዝጊቡ ዝረኣናዮ ሓበሬታ: ብዛዕባ ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን ድሮ ተነብዩ ኢዩ። እታ “ከም ብሓድሽ” እትብል ቃል: ነቲ ዝተረፈ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተመዝጊቡ ዘሎ ሓበሬታ ክጽሕፎን ክዝርግሖን ኣለዎ ማለት ኢያ። ዮሃንስ ኣብቲ ትንቢታዊ ትርኢት ባዕሉ ይሳተፍ ከም ዘሎ ክዝከር ዘለዎ ኢዩ። እቲ ንሱ ዝምዝግቦ ኸኣ ድሕሪ 1914 ኣብ ዘሎ እዋን እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ኣብ ምድርን ኣብ ባሕርን ደው ምስ በለ ዝፍጸም ትንቢት ኢዩ። እሞኸ ደኣ: እዚ ህያው ኣቀራርባ እዚ ሎሚ ነቲ ክፍሊ ዮሃንስ እንታይ ማለት ኢዩ፧

እታ ንእሽቶ ጥቕላል ኣብዚ እዋን እዚ

18. እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ኣብ ምጅማር መዓልቲ ጐይታ ኣብ መጽሓፍ ራእይ እንታይ ተገዳስነት ነበሮም፧

18 እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ጽላሎት ናይቲ እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ኣብ ምጅማር መዓልቲ ጐይታ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኢዩ። ሽዑ ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ: ትርጕም ናይቲ ሸውዓተ ነጐዳታትውን ሓዊስካ: ዝነበሮም ምርዳእ ምሉእ ኣይነበረን። ምስናይዚ ግን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዓሚቝ ተገዳስነት ነበሮም: ቻርለስ ቴዝ ራስል እውን ብህይወት ከሎ ብዛዕባ ብዙሕ ክፍልታት ናይታ መጽሓፍ ሓሳባት ሂቡ ኢዩ። ብ1916 ድሕሪ ሙማቱ ብዙሕ ካብቲ ጽሑፋቱ ተኣኪቡ: ኣብ ሓንቲ እተፈጸመ ምስጢር (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ ተጠቓሊሉ ተሓትመ። ዳሕራይ ግን እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንመጽሓፍ ራእይ ንምግላጽ ዘይተዕግብ ኰነት። እቶም ተረፍ ኣሕዋት ክርስቶስ: ርጡብ ምርዳእ ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ መዝገብ ንኽረኽቡ: እቲ ትርኢታት ክፍጸም ክሳዕ ዝጅምር ቅሩብ ክጸንሑ ኣድለዮም።

19. (ሀ) ድምጺ ናይቶም ሸውዓተ ነጐዳታት ምሉእ ብምሉእ ከይተፈልጠ ከሎውን ይኹን የሆዋ ነቶም ክፍሊ ዮሃንስ እተጠቕመሎም ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ክፍሊ ዮሃንስ ነታ እተገንጸለት ንእሽቶ ጥቕላል እተቐበሉ መዓስ ኢዮም: እዚኸ ንዓኣታቶም እንታይ ማለት ኢዩ፧

19 ይኹን እምበር: ድምጺ ናይቶም ሸውዓተ ነጐዳታት ምሉእ ብምሉእ ከይተፈልጠ ከሎውን ይኹን: የሆዋ ከምቲ ንዮሃንስ እተጠቕመሉ ነዚኣቶምውን ተጠቒሙሎም ኢዩ። ቅድሚ 1914 ን40 ዓመታት ብትግሃት ሰቢኾም: ኣብ እዋን ናይ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከኣ ንጡፋት ኰይኖም ንኽቕጽሉ ጽዒሮም ኢዮም። ጐይታ ምስ መጸ: ንስድራቤቱ መግቢ ኣብቲ ግቡእ ግዜ ዝህቡ ኰይኖም ዝረኸቦም ንሳቶም ምዃኖም ኣመስኪሮም ኢዮም። (ማቴዎስ 24:45-47) በዚ ኸምዚ ኸኣ ብ1919 ነታ እተገንጸለት ንእሽቶ ጥቕላል—ንወድሰብ ዝስበኽ ቅሉዕ መልእኽቲ ዝሓዘት—እተቐበሉ ንሳቶም ኢዮም ነይሮም። ከም ህዝቅኤል ንሓንቲ ንኣምላኽ አገልግል እየ እትብል ብሓቂ ግን ዘይተገልግል ዘይእምንቲ ማሕበር—ህዝበ-ክርስትያን—ዝኸውን መልእኽቲ ነበሮም። ከም ዮሃንስ ን“ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን” ገና ካልእ ተወሳኺ ክሰብኩ ነበሮም።

20. ዮሃንስ ነቲ ጥቕላል ምብልዑ እንታይ የመልከት፧

20 ዮሃንስ ነቲ ጥቕላል ምብልዑ ኣሕዋት የሱስ ነዚ ዕዮ እዚ ከም እተቐበልዎ የርኢ። እዚ ምስ ህይወቶም እተወሃሃደ ዀነ: በዚ ክፍሊ ናይ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ክሳዕ ዝልለዩ ኢዮም ኰይኖም: ካብኡ ኸኣ ይዕንገሉ። እንተዀነ ግን: እቲ ክሰብክዎ ዝነበሮም ፍርዲ የሆዋ ብዙሓት ካብ ደቅሰብ ዘይፈትውዎ ኢዩ ነይሩ። ብርግጽ ነቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 8 እተነግረ መዓት እውን የጠቓልል ኢዩ። ይኹን እምበር: ነዞም ቅኑዓት ክርስትያናት እዚኣቶም ነቲ ፍርድታት ምፍላጦምን ንምእዋጆም ድማ የሆዋ እንደገና ይጥቀመሎም ከም ዘሎ ምግንዛቦምን ጥዑም ኢዩ ነይሩ።—መዝሙር 19:9, 10

21. (ሀ) መልእኽቲ ናይታ ንእሽቶ ጥቕላል ነቶም ዓቢ ጭፍራ እውን ከም መዓር ዝጠዓሞም ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ብስራት ነቶም ተጻረርቲ ሕማቕ ወረ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

21 ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ መልእኽቲ ናይዛ ጥቕላል እዚኣ: ነቶም ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቋንቋታትን እተኣከቡ’ በቲ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዝግበር ጽያፍ ዝትክዙ ‘ዓቢ ጭፍራ’ እውን ከም መዓር ጥዒምዎም ኢዩ። (ራእይ 7:9፣ ህዝቅኤል 9:4) እዚኣቶምውን እቲ የሆዋ ንኣባጊዕ መሰል ክርስትያናት ዝህቦም ዘገርም ምድላው ንምግላጽ ጥዑምን ልዙብን ቃላት ተጠቒሞም ነቲ ብስራት ይእውጅዎ ኢዮም። (መዝሙር 37:11, 29፣ ቈሎሴ 4:6) ነቶም ተጻረርቲ ሰባት ግን እዚ ሕማቕ ወረ ኢዩ። ስለምንታይ፧ እቲ ዝውከልዎ—ሓላፊ ዕግበት እውን ከይተረፈ ኣምጺኡሎም ክኸውን ዝኽእል—ኣገባብ ክጠፍእ ስለ ዘለዎ ኢዩ። ንዓኣቶም እቲ ብስራት ጥፍኣት ኢዩ።—ፊልጲ 1:27, 28፣ ምስ ዘዳግም 28:15፣ 2 ቈረንቶስ 2:15, 16 ኣረኣእዮ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 160 ዘሎ ስእልታት]

እቶም ክፍሊ ዮሃንስን ብጾቶምን ንዅሎም ደቅሰብ ጥዑምን መሪርን መልእኽቲ ይእውጁሎም