ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መመላእታ ጽሑፍ ሐ

በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ጌርካ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ፧

በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ጌርካ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ፧

እታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኽትዳሎ ኸላ፡ ብጸሎት ብዙሕ ተሓሲቡላን ምርምር ተገይሩላን እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እትመርሓሉ እዋን፡ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ በዚ ዚስዕብ ሜላታት ጌርካ ኣጸቢቕካ ተጠቐመላ።

ቅድሚ መጽናዕቲ

  1. 1. ኣጸቢቕካ ተዳሎ። ክትዳሎ ኸለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ንተምሃራይካ ዜድልዮ ነገራትን ብዛዕባ ዅነታቱን ብዛዕባ ኣረኣእያኡን ሕሰብ። ኣየናይ ነጥብታት ንምርዳኡ ወይ ንምትግባሩ ኪኸብዶ ኸም ዚኽእል ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብቲ “ዳህስስ” ዚብል ክፋል ዘሎ ሓበሬታ ንተምሃራይካ ብኸመይ ኪሕግዞ ኸም ዚኽእል ሕሰብ፣ ኣብቲ መጽናዕቲ ኸከም ኣድላይነቱ ንምጥቃም እውን ድሉው ኩን።

ኣብቲ መጽናዕቲ

  1. 2. እቲ ተምሃራይ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ መጀመርታን መወዳእታን እቲ መጽናዕቲ ጸሊ።

  2. 3. ዘረባ ኣይተብዝሕ። ኣብቲ ትምህርቲ ኣተኵር፣ ነቲ ተምሃራይ ከኣ ሓሳቡ ኺገልጽ ፍቐደሉ።

  3. 4. ሓደ ቐንዲ ኽፋል ክትጅምሩ ኸለኹም፡ ነቲ ብዛዕባ እቲ ኽፋል ዚገልጽ ኣትኵሮ ኣንብቦ፡ ገለ ኻብቲ ኣርእስትታት ትምህርቲ ድማ ጥቐስ።

  4. 5. ሓደ ቐንዲ ኽፋል ክትዛዝሙ ኸለኹም፡ እቲ ተምሃራይ ነቲ እተማህሮ ሓቅታት ምእንቲ ኺዝክሮ፡ በቲ ናይቲ ኽፋል ክለሳ ተመያየጡ።

  5. 6. ነቲ ትምህርትታት በብሓደ ምስ ተምሃራይካ ኸተጽንዕዎ ኸለኹም፦

    1. ሀ. ጽሑፍ ኣንብብ።

    2. ለ. “ኣንብብ” እተባህለ ዅሉ ጥቕስታት ኣንብብ።

    3. ሐ. ከከም ኣድላይነቱ፡ ካልእ ጥቕስታት ኣንብብ።

    4. መ. “ኣጻውት” እተባህለ ዅሉ ቪድዮታት ኣጻውት (እንተ ኣልዩካ)።

    5. ረ. ነቲ ተምሃራይ፡ ኵሉ እቲ ሕቶታት ሕተቶ።

    6. ሰ. ናብቲ “ኣዕሚቝካ ዅዓት” ኣብ ዚብል ክፋል ዘሎ ስእልታት ከም ዚትኰር ግበር፣ ነቲ ተምሃራይ እውን ሓሳብ ኪህበሉ ሕተቶ።

    7. ሸ. በቲ “ሸቶ” ዚብል ሳጹን ጌርካ ናይ ተምሃራይካ መንፈሳዊ ዕቤት ተኸታተል። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሸቶ ምእንቲ ኺወቅዕ፡ ካልእ ሸቶታት ምእንቲ ኼውጽእ፡ ወይ ነዚ ኽልቲኡ ምእንቲ ኺትግብር ከተተባብዖ ትኽእል ኢኻ።

    8. ቀ. ተምሃራይካ ነቲ ትምህርቲ ኣብ እተዳለወሉ እዋን፡ ኣብቲ “ዳህስስ” ዚብል ክፋል ዘሎ ብፍላይ ዝፈተዎ ዓንቀጻት ወይ ቪድዮታት ረኺቡ እንተ ዀይኑ ሕተቶ።

    9. በ. ኣብ መመጽናዕቲ ሓሓደ ትምህርቲ ኽትዛዝም ፈትን።

ድሕሪ መጽናዕቲ

  1. 7. ብዛዕባ ተምሃራይካ ሕሰብ። የሆዋ ንዕቤቱ ምእንቲ ኺባርኾ፡ ንዓኻ እውን ንምሕጋዙ ዜኽእል ጥበብ ምእንቲ ኺህበካ ጸሊ።