ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንግዱሳት ምክትታል

ትምህርቲ 7

ጽንዓት

ጽንዓት

ስርዓት፦ “ከየቋረጹ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ።”—ግብ. 5:42

ጳውሎስ እንታይ ገይሩ፧

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ግብሪ ሃዋርያት 19:8-10 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1.   ሀ. ጳውሎስ በቶም እተጻረርዎ ኣብ ክንዲ ዚሕለል፡ ነቶም ግዱሳት ኣብ ምሕጋዝ ዝጸንዐ ብኸመይ እዩ፧

  2.  ለ. ጳውሎስ ነቶም ግዱሳት ንምምሃር ክንደይ ሳዕ እዩ ተተመሊሱ ዚኸዶም ዝነበረ፧ ነዚኸ ንኽንደይ ዚኣክል ንውሓት እዩ ገይርዎ፧

ካብ ጳውሎስ እንታይ ንምሃር፧

2. ውጽኢታዊ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማርን፡ ግዜን ጕልበትን ክንውፊ ኣሎና።

ንጳውሎስ ምሰሎ

3. ንግዱስ ኣብ ዚጥዕሞ እዋን ብጽሓዮ። ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘መዓስ እየ ኽረኽቦ ዝኽእል፧ መዓስን ኣበይን እየ ኸዛራርቦ ዝኽእል፧’ እቲ እዋን ዘይጥዕመካ እኳ እንተ ዀነ፡ ተኸታቲልካ ብጽሓዮ።

4. ቈጸራ ግበር። ዝርርብኩም ምስ ወዳእኩም፡ ዳግም እትዛራረቡሉ ንጹር ቈጸራ ግበር። ድሕሪኡ፡ ቈጸራኻ ሓሉ።

5. ትስፉው ኣረኣእያ ሓዝ። ኣብ ገዛኡ ብዙሕ ዘይርከብ ወይ መብዛሕትኡ ግዜ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ ሰብ፡ ተገዳስነት ከም ዘይብሉ ጌርካ ተቐላጢፍካ ኣይትደምድም። (1 ቈረ. 13:4, 7) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብጽንዓት ተኸታቲልካ ብጽሓዮ፣ እንተዀነ ግና፡ ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ።—1 ቈረ. 9:26