ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መቕድም

መቕድም

ክቡር ኣንባቢ፦

“ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን።” (ማርቆስ 10:21) የሱስ ክርስቶስ በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ ኽንስዕቦ ዓዲሙና ኣሎ። ነዚ ዕድመ እዚ ተቐቢልካዮዶ፧ ነዚ ምቕባልካ ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧

የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ህይወቱ በጃ ምእንቲ ኺህብ ናብ ምድሪ ለኣኾ። (ዮሃንስ 3:16) እቲ ወዲ ሞይቱልና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ህይወትና ኽንመርሕ ከም ዘሎና እውን ኣርኣየና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጕሙ፡ ንጽህናኡ ሓለወ፡ ንልቢ ኣቦኡ ድማ ኣሐጐሰ። የሱስ ብኸመይ ከም ኣቦኡ ኸም እንኸውን እውን ኣርእዩና እዩ። መገድታትን ፍቓድን ኣቦ፡ እቲ ወዲ ኣብ እተዛረቦ ቓላትን ኣብ ዝገበሮ ግብርታትን ብፍጹም መገዲ ተገሊጹ እዩ።—ዮሃንስ 14:9

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ፡ “ኣስኣሰሩ” ምእንቲ ኽንስዕብ እተዋህበና “ኣርኣያ” ኢሉ እዩ ዚገልጾ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦን ሕጂ ብሓቂ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ኪህልወናን ካብታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ኸይወጻእና ኽንመላለስን እንተ ደሊና፡ ኣስኣሰር ክርስቶስ ክንስዕብ ኣሎና።

ነዚ ጕዕዞ እዚ ንምጅማር፡ ነቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝነበሮ ህይወት ክንፈልጦ ኣሎና። ስለዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ተገሊጹ ዘሎ ነገራት ተጠንቂቕና ኸነጽንዖ ይግባእ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ምስትንታን፡ ከምኡ እውን ብቓልን ብግብርን ከመይ ጌርና ኽንመስሎ ኸም እንኽእል ምሕሳብ፡ ብኸመይ ከም እንስዕቦ ብዝያዳ ንጹር ኰይኑ ምእንቲ ኺረኣየና ይሕግዝና።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንየሱስን ንየሆዋን ዘላትካ ፍቕሪ ንምዕባይ ክትሕግዘካ ንምነ። እታ ፍቕሪ እቲኣ ኸኣ ኣስኣሰር የሱስ ብምስዓብ፡ ሕጅን ንዘለኣለምን ንልቢ የሆዋ ሓጐስ ከተምጽእ ትደርኽካ።

ኣሕተምቲ