ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ክልተ

“መገድን ሓቅን ህይወትን”

“መገድን ሓቅን ህይወትን”

“ሰዓብየይ ኩን”

1, 2. ንየሆዋ ባዕልና ኽንቀርቦ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ኣብዚ መዳይ እዚኸ የሱስ ንዓና እንታይ እዩ ገይሩልና፧

 ጠፊእካዶ ትፈልጥ፧ ንፈታዊኻ ወይ ንዘመድካ ኽትበጽሕ ክትከይድ ከለኻ፡ መገዲ ዝጠፍኣካ እዋን ትዝክር ትኸውን። ኣብቲ ኣጸቢቕካ ዘይትፈልጦ መገዲ ኽትከይድ ከለኻ፡ ሓንሳእ ደው ኢልካ ሰብ ኪሕብረካ ሓቲትካዶ፧ ሓደ ሕያዋይ ውልቀ ሰብ በየናይ መገዲ ኽትከይድ ከም ዘሎካ ኣብ ክንዲ ዚነግረካ፡ “ስዓበኒ። ናብቲ እትደልዮ መሪሐ ኸብጽሓካ እየ” እንተ ዚብለካ ዚስምዓካ እፎይታ እሞ ሕስብ ኣብሎ!

2 የሱስ ክርስቶስ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ይገብረልና ኣሎ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ብርእስና ንኣምላኽ ክንቀርቦ ኣይንኽእልን ኢና። ደቂ ሰብ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ስለ ዝወረሱ፡ “ካብቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ህይወት . . . ርሒቖም እዮም።” (ኤፌሶን 4:17, 18) መገድና ምእንቲ ኽንረክብ ሓገዝ የድልየና እዩ። የሱስ ሕያዋይ ኣርኣያና ስለ ዝዀነ፡ ምኽርን መምርሕን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ እዩ ዚገብረልና። ኣብ ምዕራፍ 1 ኸም ዝረኣናዮ፡ “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” ኢሉ ይዕድመና ኣሎ። (ማርቆስ 10:21) ይኹን እምበር፡ ነቲ ዕድመ እቲ ንምቕባል ዚድርኸና ምኽንያት እውን ይህበና እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ የሱስ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 14:6) ናብ ኣቦ ብወዲ ኣቢልና ጥራይ ክንቀርብ ዚግብኣሉ ገለ ምኽንያታት እስከ ንመርምር። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ምኽንያታት እቲ ተመርኲስና፡ የሱስ ብርግጽ “መገድን ሓቅን ህይወትን” ዝዀነ ኸመይ ኢሉ ምዃኑ ኽንምርምር ኢና።

ኣብ ዕላማ የሆዋ ኣገዳሲ ቦታ

3. ናብ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢልና እንቐርብ ስለምንታይ ኢና፧

3 ናብ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢልና እንቐርበሉ ቐዳማይ ምኽንያት፡ የሆዋ ንወዱ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ግደ ኺህቦ ስለ ዝሓረዮ እዩ። a ኣቦ ዅሉ ዕላማታቱ ብምፍጻም ዝመጸ፡ ንወዱ ቐንዲ ወይ ኣገዳሲ ግደ ሂብዎ እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:20፣ ቈሎሴ 1:18-20) ነቲ ወዲ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ምእንቲ ኽንርዳእ፡ ኣብቲ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ሰይጣን ሓቢሮም ካብ የሆዋ ዝዓለዉሉ ገነት ኤደን እንታይ ከም እተፈጸመ ኽንምርምር ኣሎና።—ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:1-6

4. ኣብ ኤደን እተገብረ ዕልወት እንታይ ጕዳይ ኣበገሰ፧ የሆዋ ነቲ ጕዳይ ንምድቃስከ እንታይ ኪገብር እዩ ዝወሰነ፧

4 እቲ ኣብ ኤደን እተፈጸመ ዕልወት ንዅሎም ፍጡራት ዚትንኪ ጕዳይ ኣበገሰ፦ እቲ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ መገድታቱ ብሓቂዶ ቕዱስን ሕያዋይን ጻድቕን ፈቃርን እዩ፧ የሆዋ ነዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ንምድቃስ፡ ሓደ ፍጹም መንፈሳዊ ወዱ ናብ ምድሪ ኪኸይድ ከም ዘለዎ ወሰነ። እዚ ወዲ እዚ እተሰከሞ ተልእኾ ኣዝዩ ኸቢድ ነበረ። ንስም ኣቦኡ ንምቕዳስን ንደቂ ሰብ ዜድሕን በጃ ንምዃንን ህይወቱ ኪኸፍል ነበሮ። እቲ እተሓርየ ወዲ ኽሳዕ ሞት እሙን ብምዃን፡ ነቲ ብዕልወት ሰይጣን እተላዕለ ዅሉ ጸገማት ኪፈትሖ ይኽእል እዩ። (እብራውያን 2:14, 15፣ 1 ዮሃንስ 3:8) የሆዋ ግና ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ፍጹማት መንፈሳውያን ደቂ ኣለውዎ። (ዳንኤል 7:9, 10) ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ ንምፍጻም ንመን እዩ ሓርዩ፧ የሆዋ ነቲ ደሓር የሱስ ክርስቶስ ተባሂሉ እተጸውዐ “ሓደ ወዱ” መረጾ።—ዮሃንስ 3:16

5, 6. የሆዋ ኣብ ወዱ ምትእምማን ከም ዘለዎ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ እዚ ምትእምማን እዚኸ ኣብ ምንታይ እተመርኰሰ እዩ፧

5 እቲ የሆዋ ዝገበሮ ምርጫ ኼገርመናዶ ኣለዎ፧ የብሉን! ኣቦ ኣብቲ ሓደ ወዱ ልዑል ምትእምማን ኣለዎ። ወዱ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ኵሉ ዓይነት መከራ ዜጋጥሞ ኽነሱ፡ እሙን ከም ዚኸውን የሆዋ ተነብዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 53:3-7, 10-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:32-35) እዚ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም እሞ ሕስብ ኣብሎ። እቲ ወዲ ኸም ኵሎም ካልኦት ፍጡራት ዝደለዮ ኺመርጽ ዚኽእል ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንወዱ ኣዝዩ ስለ እተኣማመነሉ፡ እሙን ከም ዚኸውን ተነብዩ ነበረ። እዚ ምትእምማን እዚ ኣብ ምንታይ እዩ ተመስሪቱ፧ ብሓንቲ ቓል፡ ኣብ ፍልጠት እዩ ተመስሪቱ ነይሩ። የሆዋ ንወዱ ኣጸቢቑ እዩ ዚፈልጦ፡ ወዱ ንዕኡ ኽሳዕ ክንደይ ኬሐጕሶ ኸም ዚደሊ እውን ይፈልጥ እዩ። (ዮሃንስ 8:29፣ 14:31) እቲ ወዲ ንኣቦኡ የፍቅሮ እዩ፡ የሆዋ እውን ንወዱ የፍቅሮ እዩ። (ዮሃንስ 3:35) እታ ኣቦን ወድን ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ፡ ኪብተኽ ዘይከኣል ሓድነትን ምትእምማንን ፈጢራ እያ።—ቈሎሴ 3:14

6 ነቲ ወዲ ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ፡ ነቲ ኣቦ ኣብኡ ዘለዎ ምትእምማን፡ ከምኡ እውን ነታ ንኣቦን ንወድን እተተኣሳስሮም ፍቕሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብ ኣምላኽ ብየሱስ ኣቢልና ጥራይ ክንቀርብ እንኽእል ምዃንናስ ኬገርመናዶ ይግባእ፧ ኣይግባእን። ኰይኑ ግና፡ ናብ ኣቦ ዚመርሓና ወዲ ጥራይ ዝዀነሉ ኻልእ ምኽንያት ኣሎ።

ወዲ ጥራይ እዩ ንኣቦ ምሉእ ብምሉእ ዚፈልጦ

7, 8. ንኣቦ “ብዘይካ ወዲ” ኻልእ ምሉእ ብምሉእ ዚፈልጦ ኸም ዘየልቦ የሱስ ኪዛረብ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

7 ናብ የሆዋ ኽንቀርብ እንተ ዄንና፡ ከነማልኦ ዚግባእ ብቕዓታት ኣሎ። (መዝሙር 15:1-5) እሞኸ መለክዒታት ኣምላኽ ንምምላእን ስምረቱ ንምርካብን ካብ ወዲ ንላዕሊ ዚፈልጥ መን ኣሎ፧ የሱስ፡ “ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋሂቡኒ ኣሎ፣ ንወዲ ኸኣ ብዘይካ ኣቦ፡ ሓደ እኳ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ የልቦን፣ ንኣቦ እውን ብዘይካ ወድን ወዲ ኺገልጸሉ ዚደልን፡ ሓደ እኳ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ የልቦን” በለ። (ማቴዎስ 11:27) ንኣቦ “ብዘይካ ወዲ” ኻልእ ምሉእ ብምሉእ ዚፈልጦ ኸም ዘየልቦ ብዘይ ምግናንን ብልክዕን ኪዛረብ ዝኸኣለ ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

8 እቲ ወዲ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ስለ ዝዀነ፡ ምስ የሆዋ ፍሉይ ምቅርራብ ኣለዎ። (ቈሎሴ 1:15) ካብቲ ፍጥረት ዝጀመረሉ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ኻልኦት መንፈሳውያን ፍጡራት እተፈጥሩሉ ግዜ ኽልቲኦም በይኖም ኣብ ዝነበሩሉ ታእላው ዘይብሉ ግዜ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን እተፈጥረ ምቅርራብ እሞ ብኣእምሮኻ ሰኣሎ። (ዮሃንስ 1:3፣ ቈሎሴ 1:16, 17) ነቲ ወዲ ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዀይኑ ሓሳባት ኣቦኡ ዚዕዘበሉ፡ ከምኡ እውን ፍቓዱን መለክዒታቱን መገዱን ዚምሃረሉ ዝነበረ ኽቡር ኣጋጣሚ እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሱስ ንኣቦኡ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ይፈልጦ እዩ ምባል እምበኣር ብሓቂ ምግናን ኣይኰነን። እዚ ምቅርራብ እዚ የሱስ ንኣቦኡ ዋላ ሓደ ኻልእ ኪገብሮ ብዘይክእል መገዲ ኺገልጾ ኣኽኣሎ።

9, 10. (ሀ) የሱስ ንኣቦኡ ዝገለጾ በየናይ መገድታት እዩ፧ (ለ) ስምረት የሆዋ ንምርካብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

9 የሱስ ዝመሃሮ ትምህርትታት ንሓሳባትን ስምዒታትን የሆዋ ኸምኡ እውን ካብ ኣምለኽቱ እንታይ ከም ዚሓትት ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ የንጸባርቕ። b የሱስ ንኣቦኡ ብኻልእ ዕምቈት ዘለዎ መገዲ እውን ገሊጽዎ ኣሎ። “እቲ ንዓይ ዝረኣየ፡ ንኣቦ እውን ርእይዎ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 14:9) የሱስ ብዅሉ እቲ እተዛረቦን ዝገበሮን ነገራት ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ መሰሎ። ስለዚ፡ ብዛዕባ የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ማለት እቲ ኣብ ትምህርትታቱ እተጠቕመሉ ሓያልን ማራኽን ቃላት፡ ንሰባት ንምሕዋይ ዝደረኾ ድንጋጽ፡ ከምኡ እውን ከም ዚነብዕ ዝገበሮ ሓልዮት ክንርኢ ኸለና፡ የሆዋ ተመሳሳሊ ነገር ይዛረብን ይገብርን ከም ዘሎ ጌርና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 7:28, 29፣ ማርቆስ 1:40-42፣ ዮሃንስ 11:32-36) መገድን ፍቓድን ኣቦ ኣብ ተግባራት እቲ ወዲ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 5:19፣ 8:28፣ 12:49, 50) ስለዚ፡ ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ እንተ ዄንና፡ ንትምህርትታት የሱስ ከነቕልበሉን ኣብነቱ ኽንስዕብን ኣሎና።—ዮሃንስ 14:23

10 የሱስ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ስለ ዚፈልጦን ምሉእ ብምሉእ ስለ ዚመስሎን፡ የሆዋ ብወዱ ኣቢልና ኽንቀርቦ ምውሳኑ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብቲ ናብ የሆዋ ብየሱስ ጥራይ ኣቢልና እንቐርበሉ ምኽንያት ተመስሪትና፡ የሱስ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ንርአ።—ዮሃንስ 14:6

“መገዲ . . . ኣነ እየ”

11. (ሀ) ምስ ኣምላኽ ቅቡል ርክብ ክንምስርት እንኽእል ብየሱስ ጥራይ ኣቢልና ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ዮሃንስ 14:6 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት ነቲ የሱስ ዘለዎ ብርቂ ቦታ ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

11 ብየሱስ ኣቢልና እንተ ዘይኰይኑ፡ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ካልእ መገዲ ኸም ዘየልቦ ርኢና ኢና። እዚ ንዓና እንታይ ማለት ምዃኑ ብዝርዝር እስከ ንርአ። የሱስ “መገዲ” ኺብሃል ከሎ፡ ብእኡ ኣቢልና ጥራይ ኢና ምስ ኣምላኽ ቅቡል ርክብ ክንምስርት እንኽእል። ከምዚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን፡ ህይወቱ መስዋእታዊ በጃ ኽትከውን ሃበ። (ማቴዎስ 20:28) ብዘይ እዚ መሰናድዎ በጃ እዚ፡ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ኣይምኸኣልናን ኔርና። የሆዋ ቕዱስ ስለ ዝዀነን ሓጢኣት ኪቕበል ስለ ዘይክእልን፡ ሓጢኣት ኣብ መንጎ ሰባትን ኣምላኽን መጋረድ እዩ ዚኸውን። (ኢሳይያስ 6:3፣ 59:2) መስዋእቲ የሱስ ግና ነቲ መጋረድ እቲ ኣወገዶ፣ ንሓጢኣት ዜድሊ መሸፈኒ ወይ መተዓረቒ ድማ ኰነ። (እብራውያን 10:12፣ 1 ዮሃንስ 1:7) ነቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኣቢሉ ዝገበሮ መሰናድዎ እንተ ተቐቢልናዮን ኣብኡ እምነት እንተ ጌርናን፡ ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኰታስ ‘ምስ ኣምላኽ ክንዕረቐሉ’ እንኽእል ካልእ መገዲ የልቦን። cሮሜ 5:6-11

12. የሱስ “መገዲ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

12 የሱስ ንጸሎት ብዚምልከት እውን “መገዲ” እዩ። ብየሱስ ኣቢልና ጥራይ ኢና ልባዊ ለመናና ኸም ዚስማዕ ብምትእምማን ናብ የሆዋ ኽንጽሊ እንኽእል። (1 ዮሃንስ 5:13, 14) የሱስ ብዛዕባ ርእሱ፡ “ንኣቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኺህበኩም እዩ። . . . ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ለምኑ እሞ ኽትረኽቡ ኢኹም” በለ። (ዮሃንስ 16:23, 24) እምበኣር፡ ብስም የሱስ ናብ የሆዋ ኽንቀርብን “ኣቦና” ኢልና ኽንጽውዖን ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 6:9) የሱስ ብኻልእ መዳይ እውን “መገዲ” እዩ፣ እዚ ኸኣ ብኣብነቱ እዩ። ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ ንኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ መሲልዎ እዩ። ስለዚ፡ እቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት፡ ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ ብኸመይ ከም እንነብር ይሕብረና። እምበኣር፡ ናብ የሆዋ ንምቕራብ፡ ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ ኣሎና።—1 ጴጥሮስ 2:21

“ሓቂ . . . ኣነ እየ”

13, 14. (ሀ) የሱስ ኣብ ዘረባኡ ሓቀኛ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ “ሓቂ” ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ኪገብር ነበሮ፧ ስለምንታይከ፧

13 የሱስ ብዛዕባ ትንቢታዊ ቓል ኣቦኡ ወትሩ ሓቂ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ዮሃንስ 8:40, 45, 46) ምትላል ዚብሃል ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን። (1 ጴጥሮስ 2:22) ተጻረርቱ እኳ ኸይተረፉ፡ “መገዲ ኣምላኽ ብሓቂ” ኸም ዚምህር ኣፍልጦ ሂቦምሉ እዮም። (ማርቆስ 12:13, 14) ይኹን እምበር፡ የሱስ “ሓቂ . . . ኣነ እየ” ኺብል ከሎ፡ ኣብ ዘረባኡን ስብከቱን ትምህርቱን ሓቂ ኸም ዘፍለጠ ጥራይ ኣይኰነን ዜመልክት ነይሩ። እዚ ነገር እዚ ኻብ ምዝራብ ንላዕሊ ዜጠቓልል ነበረ።

14 ዘመናት ኣቐዲሙ የሆዋ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሱ ብምድራኽ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ሓያሎ ትንቢታት ከም ዚምዝግቡ ምግባሩ ዘክር። እዚ ትንቢታት እዚ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን ሞትን ክርስቶስ ብዝርዝር ዚንበ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ሕጊ ሙሴ ናብቲ መሲሕ ዘተኰረ ጽላሎት ወይ ትንቢታዊ ምሳሌታት ዝሓዘ ነበረ። (እብራውያን 10:1) የሱስ ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ንዅሉ እቲ ብዛዕባኡ እተነግረ ትንቢታት ይፍጽሞ ደዀን ይኸውን፧ ድሕሪኡ ጥራይ እዩ የሆዋ ናይ ሓቂ ትንቢት ዚንበ ኣምላኽ ምዃኑ ኺረጋገጽ ዚኽእል። የሱስ ነዚ ኸቢድ ሓላፍነት እዚ ኣብ መንኵቡ ተሰከሞ። በቲ ንህይወቱ ዝመርሓሉ መገዲ፡ ማለት ብዅሉ እቲ ዚዛረቦ ቓላትን ብዅሉ እቲ ዚፍጽሞ ግብርታትን፡ ነቲ ትንቢታት ሓቂ ኸም ዚኸውን ገበረ። (2 ቈረንቶስ 1:20) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ “ሓቂ” ነበረ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሓቅነት ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ፡ ብየሱስ ኣቢልካ ተጋሂዱ ማለት እዩ።—ዮሃንስ 1:17፣ ቈሎሴ 2:16, 17

“ህይወት . . . ኣነ እየ”

15. ብወዲ ምእማን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ከምኡ ምግባርከ ናብ ምንታይ ኪመርሕ ይኽእል፧

15 “ናይ ሓቂ ህይወት” ብየሱስ ኣቢልና ጥራይ ስለ እንረክብ፡ “ህይወት” ተባሂሉ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:19) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ብወዲ ዚኣምን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ እቲ ንወዲ ዘይእዘዞ ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ” ይብል። (ዮሃንስ 3:36) ብወዲ ኣምላኽ ምእማን ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ብዘይ ብእኡ ህይወት ክንረክብ ከም ዘይንኽእል እምነት ኣሎና ማለት እዩ። ብተወሳኺ ድማ እምነትና ብግብሪ ምርኣይ፡ ካብ የሱስ ብቐጻሊ ትምህርቲ ምርካብ፡ ከምኡ እውን ንትምህርትታቱን ኣብነቱን ንምስዓብ ዚከኣለና ምግባር የጠቓልል። (ያእቆብ 2:26) በዚ ኸምዚ ኣብ ወዲ ኣምላኽ ምእማን ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይመርሕ። እዚ ኸኣ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዝዀኑ “ሒደት መጓሰ” ዘይትመውት መንፈሳዊ ህይወት ሒዞም ኣብ ሰማይ፡ ነቶም ክፍሊ እተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ብዙሓት ህዝቢ” ኸኣ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ሒዞም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ይነብሩ ማለት እዩ።—ሉቃስ 12:32፣ 23:43፣ ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:9-17

16, 17. (ሀ) የሱስ ነቶም ዝሞቱ እውን ከይተረፈ “ህይወት” ዚዀኖም ከመይ ገይሩ እዩ፧ (ለ) እንታይ ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል፧

16 እቶም ድሮ ዝሞቱኸ፧ ንዓታቶም እውን የሱስ “ህይወት” እዩ። ንኣልኣዛር ፈታዊኡ ቐቅድሚ ምትንሳኡ፡ ንማርታ ሓብቲ ኣልኣዛር፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ እንተ ሞተ እኳ፡ ህያው ኪኸውን እዩ” በላ። (ዮሃንስ 11:25) የሆዋ ንወዱ “መፋትሕ ሞትን መቓብርን” ሂብዎ፡ ማለት ኣብ ልዕሊ ትንሳኤ ሓይሊ ሂብዎ ኣሎ። (ራእይ 1:17, 18) እቲ ኽብሪ ዝዓሰሎ የሱስ በዚ መፋትሕ ኣቢሉ ንማዕጾ መቓብር ደቂ ሰብ ኪኸፍቶ፡ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዚርከቡ ኸኣ ኬውጽኦም እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29

17 የሱስ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” ብዚብላ ሒደት ቃላት ኣቢሉ፡ ዕላማ ህይወቱን ኣብ ምድሪ ዝፈጸሞ ኣገልግሎቱን ገለጸ። ሎሚ እዘን ቃላት እዚአን ንዓና ብዙሕ ትርጉም ዝሓዛ እየን። የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ድሕሪ ምጥቃሱ፡ “ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ከም ዝበለ ኣይትረስዕ። (ዮሃንስ 14:6) ቃላት የሱስ ከምቲ ኺዛረቦ ኸሎ ዝነበረ ሎሚ እውን ኣገዳስነት ኣለዎ። ስለዚ፡ ንየሱስ እንተ ስዒብና፡ ፈጺምና ኻብ መገድና ኸም ዘይንጠፍእ ምሉእ ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል እዩ። ንሱ ጥራይ እዩ “ናብ ኣቦ” እትመርሕ መገዲ ዜርእየና።

እንታይ ምላሽ ክትህብ ኢኻ፧

18. ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ምዃን እንታይ የጠቓልል፧

18 ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ የሱስን ብዛዕባ ኣቦኡ ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንወዲ ኽንስዕቦ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ምዃን ቃላትን ስምዒታትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተግባራት የጠቓልል። ንክርስቶስ ክንስዕቦ ኺብሃል ከሎ፡ ህይወትና ንትምህርትታቱን ኣብነቱን ከም ዚስዕብ ምግባር የጠቓልል። (ዮሃንስ 13:15) እዛ ሕጂ እተንብባ ዘለኻ ንመጽናዕቲ እትሕግዝ መጽሓፍ ኣብዚ ጻዕርኻ እዚ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ።

19, 20. እዛ ንመጽናዕቲ እትሕግዝ ጽሕፍቲ ኣብቲ ንክርስቶስ ንምስዓብ እንገብሮ ጻዕሪ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ ነገራት ሒዛ ኣላ፧

19 ኣብተን ስዒበን ዘለዋ ምዕራፋት፡ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ተጠንቂቕና መጽናዕቲ ኽንገብር ኢና። እተን ምዕራፋት ኣብ ሰለስተ ኽፋላት እተኸፍላ እየን። ቀዳማይ፡ ብዛዕባ ባህርያቱን መገድታቱን ሓፈሻዊ ነጥብታት ክንርኢ ኢና። ካልኣይ፡ ነቲ ኣብ ምስባኽን ምምሃርን ዘርኣዮ ቕንኣት ዝመልኦ ኣብነቱ ኽንምርምር ኢና። ሳልሳይ፡ ከመይ ገይሩ ፍቕሪ ኸም ዘርኣየ ኽንምርምር ኢና። ካብ ምዕራፍ 3 ኣትሒዙ፡ “ንየሱስ ብኸመይ ክትስዕቦ ትኽእል፧” ዘርእስታ መምሃሪ ሳጹን ክትህሉ እያ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታትን ሕቶታትን ንየሱስ ብቓልን ብግብርን ከመይ ጌርካ ኽትመስሎ ኸም እትኽእል ንምስትንታን እዩ ተዳልዩ።

20 ሳላ የሆዋ ኣምላኽ፡ ብሰንኪ እቲ ዝወረስካዮ ሓጢኣት ካብኡ ተፈሊኻ መገድኻ ስሒትካ ኻብ ምጥፋእ ክትድሕን ትኽእል ኢኻ። ዓብዪ ዋጋ ብምኽፋል፡ ምስኡ ቕቡል ርክብ ክንምስርት ዜኽእለና መገዲ ምእንቲ ኼርእየና ብፍቕሪ ተደሪኹ ንወዱ ለኣኸልና። (1 ዮሃንስ 4:9, 10) እምበኣር፡ ነቲ “ሰዓብየይ ኩን” ዚብል የሱስ ዘቕረቦ ዕድመ ብምቕባልን ስጕምቲ ብምውሳድን፡ ነታ ዓባይ ፍቕሪ ምላሽ ንምሃብ ድራኸ ይሕደርካ!—ዮሃንስ 1:43

a ወዲ ዘለዎ ግደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ትንቢታዊ ስማትን መዓርጋትን ሂብዎ ኣሎ።—“ ንየሱስ ክርስቶስ እተዋህቦ ገሊኡ መዓርጋት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 10:29-31፣ 18:12-14, 21-35፣ 22:36-40 ዚርከብ ቃላት የሱስ ተመልከት።

c ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ፡ እቲ ኣብ ዮሃንስ 14:6 ተዓይዩሉ ዘሎ ሰዋስዋዊ ስርዓት፡ የሱስ እቲ መገዲ፡ ማለት ናብ ኣቦ ኽንቀርበሉ እንኽእል በይኑ ጥራይ ምዃኑ ብምግላጽ ዘለዎ ቦታ ብርቂ ምዃኑ ይሕብር።