ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

2ይ ክፋል

“እናመሃረን ብስራት መንግስቲ እናሰበኸን”

“እናመሃረን ብስራት መንግስቲ እናሰበኸን”

ጸራቢ። ገባር ተኣምራት። ፈዋሲ። የሱስ ነዚ ዅሉን ካልእ ነገራትን ገይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሰባት በዚ ቓላት እዚ ገይሮም ኣይጸውዕዎን። የግዳስ፡ መምህር ኢሎም እዮም ጸዊዖምዎ። እወ፡ ቀንዲ ዕዮኡ “እናመሃረን ብስራት መንግስቲ እናሰበኸን” ብዚብላ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 4:23) ሰዓብቲ የሱስ ከም ምዃንና መጠን፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኽንዓይዮ ኣሎና። ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ ነቲ ዕዮ ብኸመይ ከም እንገብሮ ዜርእየና ኣብነቱ ኸነጽንዕ ኢና።