ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሓደ

“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”

“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”

1, 2. (ሀ) እቶም ንየሱስ ኪሕዝዎ እተላእኩ ገላዉ ጥራይ ኢዶም እተመልሱ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) የሱስ ሓለፍ ዝበለ መምህር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

 እቶም ፈሪሳውያን ብቝጥዓ ተመሊኦም ነበሩ። የሱስ ኣብታ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ኣቦኡ ይምህር ነበረ። እቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት እተፈላለየ ኣረኣእያ ነበሮም፣ ብዙሓት ኣብ የሱስ ኪኣምኑ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ኪሕዝዎ ደለዩ። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ቍጥዓኦም ኪቈጻጸሩ ስለ ዘይከኣሉ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኺሕዝዎ ገላውኦም ለኣኹ። እቶም ገላዉ ግና ጥራይ ኢዶም ተመልሱ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን “ስለምንታይከ ዘየምጻእኩምዎ፧” ኢሎም ሓተትዎም። እቶም ገላዉ ኸኣ፡ “ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን” ኢሎም መለሱ። ትምህርትታት የሱስ ኣመና ስለ ዝመሰጦም፡ ኪሕዝዎ ኣይከኣሉን። aዮሃንስ 7:45, 46

2 እቶም ገላዉ ጥራይ ኣይኰኑን ብትምህርትታት የሱስ እተመሰጡ። የሱስ ኪምህር ከሎ ኺሰምዕዎ ጥራይ ኢሎም ብዙሓት ህዝቢ ይእከቡ ነበሩ። (ማርቆስ 3:7, 9፣ 4:1፣ ሉቃስ 5:1-3) የሱስ ሓለፍ ዝበለ መምህር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ምዕራፍ 8 ኸም ዝረኣናዮ፡ ነቲ ዜመሓላልፎ ሓቅታት የፍቅሮ፡ ነቶም ዚምህሮም ሰባት እውን የፍቅሮም ነበረ። ሜላታት ኣመሃህራ ብምጥቃም ዝመጸ እውን ክኢላ ነበረ። ካብቲ ንሱ እተጠቕመሉ ውጽኢታዊ ሜላታት ሰለስተ ንርአ እሞ፡ ብኸመይ ክንመስሎ ኸም እንኽእል ድማ ንመርምር።

ቀሊል ምግባር

3, 4. (ሀ) የሱስ ኣብ ትምህርቱ ተራ ቛንቋ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ትምህርቱ ቐሊል ከም ዝነበረ ዚሕብር ኣብነት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

3 የሱስ ኪጥቀመሉ ዚኽእል ብዝሒ ቓላት እሞ ገምቶ! ኰይኑ ግና፡ ኪምህር ከሎ እቶም “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ዝነበሩ ሰማዕቱ ኺርድኦም ዘይክእል ዘረባ ኣይተዛረበን። (ግብሪ ሃዋርያት 4:13) ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ፡ ልዕሊ ዓቕሞም ትምህርቲ ብምሃብ ድማ ኣየኽበደሎምን። (ዮሃንስ 16:12) ቃላቱ ቐሊል፡ እቲ ዜመሓላለፎ ሓቅታት ግና ዓሚቝ ነበረ።

4 ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:3–7:27 ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት እሞ ንውሰድ። የሱስ ኣብቲ ስብከት እቲ ናብ ሱር እቲ ጕዳያት ዝቐንዐ ዓሚቝ ምኽሪ ሃበ። እተሓላለኸ ሓሳባት ወይ ሓረጋት ኣይተጠቕመን። አረ ንቘልዓ ብቐሊሉ ኺርድኦ ዘይክእል ቃል እውን ኣይርከቦን እዩ! የሱስ ትምህርቱ ምስ ወድአ፡ እቶም ብዙሓት ሓረስቶትን ጓሶትን ገፈፍቲ ዓሳን ነይሮምዎም ኪዀኑ ዚኽእሉ ህዝቢ “ብኣመሃህራኡ ተገረሙ” እንተ ተባህለ እምበኣር ዜደንቕ ኣይኰነን።—ማቴዎስ 7:28

5. ካብቲ የሱስ እተዛረቦ ቐሊል ግና ኣገዳሲ ትርጉም ዘለዎ ቓላት ኣብነት ሃብ።

5 የሱስ ኣብ ትምህርቱ መብዛሕትኡ ግዜ ቐሊልን ሓጺርን ሓረጋት ከምኡ እውን ኣገዳሲ ትርጉም ዘለዎ ቓላት ይጥቀም ነበረ። በዚ ኸምዚ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዘይሕተመሉ ዝነበረ እዋን፡ መልእኽቱ ኣብ ኣእምሮን ኣልባብን ሰማዕቱን ብዘይሃስስ መገዲ ቐረጸ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦ “ከይፍረደኩም፡ ደጊም ኣይትፍረዱ።” “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ።” “መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ።” “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ።” “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።” b (ማቴዎስ 7:1፣ 9:12፣ 26:41፣ ማርቆስ 12:17፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35) እዚ ቓላት እዚ ኻብቲ እተዛረቦ እዋን ድሕሪ 2,000 ዓመት ዚኸውን እውን ብቐሊሉ ኽትዝክሮ እትኽእል እዩ።

6, 7. (ሀ) ብቐሊል መገዲ ንምምሃር፡ ተራ ቛንቋ ኽንጥቀም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮ ሰብ እምብዛ ብዙሕ ትምህርቲ ብምሃብ ከይነኽብደሉ ኽንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

6 ከመይ ጌርና ኢና ብቐሊል መገዲ ኽንምህር እንኽእል፧ ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ መብዛሕትኦም ሰባት ብቐሊሉ ኺርድእዎ ዚኽእሉ ተራ ቛንቋ ምጥቃም እዩ። መሰረታዊ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ እተሓላለኸ ኣይኰነን። የሆዋ ዕላማኡ ነቶም ቅኑዕን ትሑትን ልቢ ዘለዎም ሰባት ገሊጹሎም እዩ። (1 ቈረንቶስ 1:26-28) ብጥንቃቐ እተመርጸ ቐሊል ቃላት ንሓቅታት ቃል ኣምላኽ ብውጽኢታዊ መገዲ ኼመሓላልፎ ይኽእል እዩ።

ክትምህር ከለኻ፡ ብቐሊል መገዲ ኣቕርቦ

7 ብቐሊል መገዲ ኽንምህር እንተ ዄንና፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮ ሰብ ብሓንሳእ እምብዛ ብዙሕ ትምህርቲ ብምሃብ ከይነኽብደሉ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ስለዚ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ንዅሉ ዝርዝር ነገራት ክንገልጽ የብልናን፣ ገሊኡ ኻብቲ ትምህርቲ ምሽፋን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርና ብምርኣይ ድማ ክንጐዪ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ተምሃራይ ዜድልዮ ነገራትን ክእለቱን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንፍጥነት እቲ መጽናዕቲ ኽንውስኖ ኣሎና። ሸቶና ነቲ ተምሃራይ ሰዓቢ ክርስቶስን ኣምላኺ የሆዋን ኪኸውን ምሕጋዝ እዩ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ እቲ ተምሃራይ ነቲ ዚምሃሮ ትምህርቲ ብግቡእ ምእንቲ ኺርድኦ፡ እኹል ግዜ ኽንወስድ ኣሎና። ከምዚ ምስ እንገብር ጥራይ እዩ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ልቡ ኺትንክዮን ነቲ እተማህሮ ኺዓይየሉ ኺድርኾን ዚኽእል።—ሮሜ 12:2

ግቡእ ሕቶታት ምሕታት

8, 9. (ሀ) የሱስ ሕቶታት ዚሓትት ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ሕቶታት ብምጥቃም ንጴጥሮስ ብዛዕባ ንቤተ መቕደስ ግብሪ ምኽፋል ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኺበጽሕ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ ንሰማዒኡ ኼመሓላልፈሉ ዝደለዮ ነጥቢ ብቐጥታ ምንጋር ግዜ ዚቝጥብ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ብዜደንቕ መገዲ ሕቶታት ተጠቒሙ እዩ። ስለምንታይ እዩ ሕቶታት እተጠቕመ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ውሽጣዊ ድራኸ ተጻረርቱ ንምቅላዕ በሊሕ ሕቶታት ብምጥቃም ኣፎም ኣትሒዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 21:23-27፣ 22:41-46) መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ኣእምሮኦም ዘሎ ኺገልጹን ኣተሓሳስባኦም ኬነቓቕሕን እዩ ሕቶታት ተጠቒሙ። ስለዚ፡ ከም እኒ “እንታይ ይመስለኩም፧” ከምኡ እውን “እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧” ዝኣመሰለ ሕቶታት ሓተተ። (ማቴዎስ 18:12፣ ዮሃንስ 11:26) የሱስ ብሕቶታቱ ኣቢሉ ኣልባብ ደቀ መዛሙርቱ ተንክዩ እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ።

9 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ግብሪ ዜውጽኡ ሰባት ንጴጥሮስ፡ የሱስ ግብሪ ቤተ መቕደስ ይኸፍል እንተ ዀይኑ ሓተትዎ። c ጴጥሮስ ከኣ ብኡብኡ “ይኸፍል እባ” ኢሉ መለሰሎም። ጸኒሑ፡ የሱስ፡ “ስምኦን፡ እንታይ ይመስለካ፧ ነገስታት ምድሪ፡ ቀረጽ ወይ ግብሪ ኻብ መን እዮም ዚወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧” ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ “ካብ ካልኦት” ኢሉ መለሰ። የሱስ ድማ፡ “እምበኣርሲ፡ ደቆም ካብ ቀረጽ ናጻ እዮም” በሎ። (ማቴዎስ 17:24-27) እቲ የሱስ በቲ ሕቶታት እቲ ኣቢሉ ኼመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ ንጴጥሮስ ነጺሩሉ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኣባላት ስድራ ቤት ነገስታት ካብ ግብሪ ናጻ እዮም። ስለዚ፡ የሱስ ሓደ ወዲ እቲ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዚምለኽ ሰማያዊ ንጉስ ስለ ዝዀነ፡ ግብሪ ኪኸፍል ግዴታ ኣይነበሮን። ንጴጥሮስ ብቐጥታ መልሲ ኣብ ክንዲ ዚህቦ ግና ሕቶታት ብሜላ ብምጥቃም፡ ጴጥሮስ ኣብቲ ቕኑዕ መደምደምታ ኺበጽሕ፡ ምናልባት ከኣ ኣብ መጻኢ ቕድሚ ምምላሱ ብዝያዳ ተጠንቂቑ ኺሓስብ ዜኽእሎ ትምህርቲ ሃቦ።

ምስ ተገዳስነት እቲ ብዓል ቤት ዚተሓሓዝ ሕቶታት ሕተት

10. ኣብ በቤት ክንሰብኽ ከለና፡ ሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 ንሕናኸ ኣብ ኣገልግሎትና ንሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብ በቤት ክንሰብኽ ከለና፡ ተገዳስነት ንምልዕዓል፡ ምናልባት እውን ነቲ ብስራት ንምክፋል ዜኽእል መገዲ ንምኽፋት፡ ሕቶታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ማዕጾ እንተ ኸፊቱልና፡ ብኣኽብሮት “ኣብ ህይወትኩም ዓለም ክሳዕ ክንደይ እያ ተቐዪራ፧” ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። መልሲ ምስ ሃቡና፡ “እዛ ዓለም እዚኣ ዝሓሸት መንበሪ ምእንቲ ኽትከውን እንታይ ዜድሊ ይመስለኩም፧” ዚብል ሕቶ ኽንውስኽ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 6:9, 10) ቈልዑ ዝሓዘት ሓንቲ ኣደ ማዕጾ እንተ ኸፊታ ኸኣ፡ “ደቅኺ ኣብ ዚዓብዩሉ ግዜ እዛ ዓለም ከመይ ከም እትኸውን ሓሲብኪዶ ትፈልጢ፧” ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። (መዝሙር 37:10, 11) ናብ ሓደ ቤት ክንቀርብ ከለና ትኩራት ብምዃን፡ ምስ ተገዳስነት እቲ ብዓል ቤት ዚዛመድ ሕቶ ኽንመርጽ ንኽእል ኢና።

11. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ሕቶታት ብጽቡቕ ክንጥቀም እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧

11 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና፡ ሕቶታት ብጽቡቕ ክንጥቀም እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧ ብጥንቃቐ እተመርጸ ሕቶታት፡ ንተምሃራይና ኣብ ልቡ ዘሎ ስምዒታቱ ንምግላጽ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 20:5) ንኣብነት፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! d ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ክርስትያናት ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይግባእ፧” ዘርእስቱ ትምህርቲ 43 ነጽንዕ ኣለና ንበል። እታ ምዕራፍ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምብዛሕ መስተን ስኽራንን ዘለዎ ኣረኣእያ እያ እትገልጽ። እቲ ተምሃራይ ዝሃቦ መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ከም እተረድኦ ይሕብር ይኸውን፡ ነቲ እተማህሮ ግና ይሰማማዓሉ ድዩ፧ “ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ ግቡእዶ ምበልካዮ፧” ኢልና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። “ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ክትዓይየሉ ትኽእል፧” ኢልና እውን ክንሓትቶ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ተምሃራይ ክብረቱ ምእንቲ ኽንሕልወሉ፡ ሜላ ኽንጥቀም ከም ዘሎና ኣይንረስዕ። ብዘየድሊ ዜሕፍሮ ሕቶታት ክንሓትት ኣይንደልን ኢና።—ምሳሌ 12:18

ርትዓዊ ኣቀራርባ ምጥቃም

12-14. (ሀ) የሱስ ርትዓዊ መረዳእታ ንምቕራብ ዘለዎ ኽእለት ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሉ፧ (ለ) ፈሪሳውያን ንየሱስ ብሓይሊ ሰይጣን ከም ዜሕዊ ገይሮም ምስ ከሰስዎ፡ የሱስ እንታይ ሓያል ርትዓዊ ኣቀራርባ ተጠቕመ፧

12 የሱስ ፍጹም ኣእምሮ ስለ ዝነበሮ፡ ርትዓዊ ኣቀራርባ ብምጥቃም ዝመጸ ኽኢላ እዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ እቶም ተጻረርቱ ዜምጽኡሉ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ክስታት ንምፍሻል ሓያል ርትዓዊ መረዳእታ ይጥቀም ነበረ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከኣ ንሰማዕቱ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኺምህር ኢሉ ዜእምን መረዳእታ ተጠቒሙ እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

13 የሱስ ንሓደ ጋኔን ዝሓደሮ ዕዉርን ዓባስን ሰብኣይ ምስ ኣሕወየ፡ ፈሪሳውያን “እዚ፡ ብዘይካ ብብኤል-ዜቡል [ሰይጣን] እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ንኣጋንንቲ ኣየውጽኦምን እዩ” በሉ። ንኣጋንንቲ ንምውጻእ ልዕለ ሰብኣዊ ሓይሊ ኸም ዜድሊ ደምደሙ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ እተጠቕመሉ ሓይሊ ኻብ ሰይጣን ዝመጸ ገይሮም ገለጹ። እቲ ኽሲ ሓሶት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዘይርትዓዊ እውን እዩ ነይሩ። የሱስ ኣተሓሳስባኦም ጌጋ ምዃኑ ኼቃልዕ ከሎ፡ “ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ኵላ መንግስቲ ትጠፍእ፣ ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ኵላ ኸተማ ወይ ቤት እውን ኣይትቐውምን። ከምኡ ድማ፡ ሰይጣን ንሰይጣን ዜውጽኦ እንተ ዀይኑ፡ ንሓድሕዱ ተኸፋፊሉ ማለት እዩ፣ መንግስቱ ደኣ እሞ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧” ኢሉ መለሰሎም። (ማቴዎስ 12:22-26) የሱስ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ኣነ ወኪል ሰይጣን እንተ ዝኸውን እሞ፡ ነቲ ሰይጣን ዝገበሮ ዘፍርስ እንተ ዀይነ፡ ሰይጣን ንጕድኣቱ ይዓዪ ስለ ዘሎ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኺወድቕ እዩ ማለት እዩ” በሎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ዜእምን መርትዖ እሞ ኸመይ ገይሮም ኣሉ ኺብልዎ ይኽእሉ፧

14 የሱስ በዚ ኣየብቅዐን። ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያን ኣጋንንቲ ኸም ዘውጽኡ ስለ ዝፈለጠ፡ “ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም እንተ ዀይነ፡ ደቅኹም [ደቀ መዛሙርትኹም] ደኣ ብመን እዮም ዜውጽእዎም፧” ብምባል ቀላል ግና ከኣ ሓያል ሕቶ ኣቕረበሎም። (ማቴዎስ 12:27) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ “ኣነ ንኣጋንንቲ ብሓይሊ ሰይጣን አውጽኦም እንተ ኣለኹ፡ ደቀ መዛሙርቱኹም ከኣ በዚ ሓይሊ እዚ እዮም ዜውጽእዎም ዘለዉ ማለት እዩ” ዚብል ሓሳብ እዩ ዜመሓላልፍ ነይሩ። እቶም ፈሪሳውያን ብሕም ኣይበሉን። ደቀ መዛሙርቶም ብሓይሊ ሰይጣን ይዓይዩ ኸም ዘለዉ ገይሮም ከቶ ኣይቅበልዎን እዮም። በዚ ኸምዚ የሱስ በቲ ግጉይ ኣተሓሳስባኦም ብምጥቃም ኣብ ዘይጥዕሞም መደምደምታ ኸም ዚበጽሑ ገበሮም። የሱስ ብኸመይ ርትዓዊ መረዳእታ ኸም ዘቕረበሎም ምንባብ ጥራይ እኳ ዜሐጕስ ደይኰነን፧ እቶም ንየሱስ ብእዝኖም ዝሰምዕዎ ህዝቢ ግና ዝያዳ ኸም እተሓጐሱ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ከመይሲ፡ እናረኣይዎ ይዛረቦም ምንባሩን ቃና ድምጹ ኺሰምዑ ምኽኣሎምን፡ ንዘረባኡ ሓይሊ ኸም ዚውስኸሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

15-17. የሱስ በቲ “ኽንደይ ኣብዚሑ” ዝዓይነቱ ርትዓዊ ኣቀራርባ ገይሩ፡ ብዛዕባ ኣቦኡ ልቢ ዚትንኪ ትምህርቲ ንምምሃር ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ ኣብነት ሃብ።

15 የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ ልቢ ዚትንኪ ሓቅታት ንምምሃር እውን ርትዓውን ዜእምንን መረዳእታ ኣቕሪቡ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ “ክንደይ ኣብዚሑ” ዚብል ዓይነት ርትዓዊ ኣቀራርባ ብምጥቃም እዩ ነዚ ገይርዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንሰማዕቱ ኻብ ዚፈልጥዎ ሓቂ ተበጊሶም ዝዓበየ እምነት ኪህልዎም ይሕግዞም ነበረ። እዚ ዓይነት መረዳእታ ኣብ ምንጽጻር እተመርኰሰ ብምዃኑ፡ ዓሚቝ ጦብላሕታ ኺሓድግ ይኽእል እዩ። ሕጂ ኽልተ ኣብነታት ጥራይ ንርአ።

16 የሱስ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ዘቕረብዎ ሕቶ ኺምልስ ከሎ፡ ሓደ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ወላዲ ንደቁ ‘ጽቡቕ ውህበት ኪህብ’ ፍቓደኛ ምዃኑ ገለጸ። ድሕሪኡ፡ “ንስኻትኩም እኩያት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!” ኢሉ ደምደመ። (ሉቃስ 11:1-13) እቲ የሱስ ዘመሓላለፎ ነጥቢ ኣብቲ ምንጽጻር እተመስረተ እዩ ነይሩ። ሓጥኣን ሰብኣውያን ወለዲ ንደቆም ዜድልዮም ዜማልኡሎም ካብ ኰኑ፡ እቲ ብዅሉ መዳያት ፍጹምን ጻድቕን ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ግዳ ነቶም ብትሕትና ብጸሎት ዚቐርብዎ እሙናት ኣምለኽቱ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱሱ ዘይህቦም!

17 የሱስ ከይንጭነቕ ኢሉ ጥበባዊ ምኽሪ ኺህብ ከሎ እውን ተመሳሳሊ ርትዓዊ መረዳእታ ኣቕረበ። ከምዚ በለ፦ “ንኳዃት እሞ ኣስተብህሉሎም፦ ኣምላኽ ይምግቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ፡ ኣይዓጽዱ፣ ቆፎ ወይስ ማዕከን እውን የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩምዶ ኣዚኹም ኣይትበልጹን፧ ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉ፦ ኣይጽዕሩ፡ ኣይፈትሉ፣ . . . ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ከኣ ናብ እቶን ዚድርበ ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብሊጹ ዘይከድነኩም!” (ሉቃስ 12:24, 27, 28) ኣምላኽ ንኣዕዋፍን ንዕምባባታትን ዚሓሊ እንተ ዀይኑ፡ ነቶም ዜፍቅርዎን ዜምልኽዎን ሰባት ግዳ ኽንደይ ኣብዚሑ ዘይሓልየሎም! የሱስ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርትዓዊ ኣቀራርባ ገይሩ፡ ንኣልባብ ብዙሓት ሰማዕቱ ኸም ዝተንከየ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

18, 19. ሓደ ሰብ ኪርእዮ ኣብ ዘይክእል ኣምላኽ ከም ዘይኣምን እንተ ዚነግረና ብኸመይ ርትዓዊ መረዳእታ ኸነቕርበሉ ንኽእል፧

18 ኣብ ኣገልግሎትና፡ ናይ ሓሶት እምነታት ንምፍራስ ዜእምን ርትዓዊ መረዳእታ ኽንጥቀም ንደሊ ኢና። ብዛዕባ የሆዋ ኣወንታዊ ሓቅታት ንምምሃር እውን ዜእምን ርትዓዊ መረዳእታ ኽንጥቀም ንደሊ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 19:8፣ 28:23, 24) እሞኸ እተሓላለኸ ርትዓዊ ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እንጥቀም ክንምሃር የድልየና ድዩ፧ ኣይፋልን። ካብ የሱስ እንምሃሮ ነገር፡ ብቐሊል መገዲ ዝቐረበ ርትዓዊ መረዳእታ ዝበለጸ ውጽኢታዊ ምዃኑ እዩ።

19 ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ኪርእዮ ኣብ ዘይክእል ኣምላኽ ከም ዘይኣምን እንተ ዚነግረና፡ እንታይ ኢልና ኽንምልስ ንኽእል፧ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ብዘይ ምኽንያት ዚኽሰት ሳዕቤን ከም ዘየልቦ ኸነረድኦ ንኽእል ኢና። ሓደ ሳዕቤን ክንርኢ ኸለና፡ ኪኽሰት ምኽንያት ዝዀነ ነገር ናይ ግድን ከም ዘሎ ንቕበሎ ኢና። እምበኣር ከምዚ ኽንብል ንኽእል ኢና፦ “ኣብ ግሉል ቦታ ብግቡእ እተሃንጸን እኹል ምግቢ ዝርከቦን ቤት እንተ ትረክብ (ሳዕቤን)፡ ነዚ ዝገበሮ ሓደ ሰብ (ምኽንያት) ምዃኑ ኣይምደምደምካንዶ፧ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ፍጥረት ዚርአ ንድፍን ኣብ ምድሪ ዘሎ እኹል ምግብን ክንርኢ ኸለና (ሳዕቤን)፡ ሓደ ኣካል (ምኽንያት) ነዚ ኸም ዝገበሮስ ርትዓዊዶ ኣይመስለካን፧ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ‘ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ’ ዚብል መረዳእታ ኣቕሪቡ ኣሎ።” (እብራውያን 3:4) እንተዀነ ግና፡ እቲ እነቕርቦ መረድኢ ኽሳዕ ክንደይ ርትዓዊ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ዚኣምነሉ።—2 ተሰሎንቄ 3:2

ልቢ እቲ ሰብ ዚትንኪ ርትዓዊ ኣቀራርባ ተጠቐም

20, 21. (ሀ) ባህርያትን መገድታትን የሆዋ ንምጕላሕ “ክንደይ ኣብዚሑ” ዝዓይነቱ ርትዓዊ ኣቀራርባ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ብዛዕባ እንታይ ክንመያየጥ ኢና፧

20 ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዀነ ኣብ ጉባኤ ኽንምህር ከለና፡ ንባህርያትን መገድታትን የሆዋ ንምጕላሕ፡ “ክንደይ ኣብዚሑ” ዝዓይነቱ ርትዓዊ መረዳእታ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ሲኦል ንዘለኣለም ብሓዊ ምስቓይ ዚብልዎ ሰረተ እምነት ንየሆዋ ኣኽብሮት ዘይህብ ምዃኑ ንምሕባር፡ “ንኣእዳው ውላዱ ኣብ ሓዊ ብምእታው ዚቐጽዕ ኣየናይ ፈቃር ኣቦ እዩ፧ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ግዳ ነቲ ኣብ ሲኦል ብሓዊ ምስቓይ ዚብልዎ ሓሳብ ክንደይ ብዝያዳ ዘይጸልኦ!” ክንብል ንኽእል ኢና። (ኤርምያስ 7:31) ንሓደ ጭንቀት ዘሕደረ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ምእንቲ ኸነረጋግጸሉ፡ “የሆዋ ንሓንቲ ንእሽቶ ዑፍ ዋጋ ኸም ዘለዋ ገይሩ ዚርእያ ኻብ ኰነ፡ ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣምለኽቱ፡ እንተላይ ንዓኻ፡ ክንደይ ኣብዚሑ ዚሓልን ዜፍቅርን ኰን ኪኸውን ኣለዎ!” ክንብል ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 10:29-31) ከምዚ ዝኣመሰለ ርትዓዊ መረዳእታ ኣልባብ ካልኦት ንምትንካይ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

21 ካብቲ የሱስ እተጠቕመሉ ሜላታት ኣመሃህራ ሰለስተ ጥራይ ድሕሪ ምምርማርና፡ እቶም ኪሕዝዎ ዘይከኣሉ ገላዉ፡ “ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን” ኪብሉ ኸለዉ የጋንኑ ዘይምንባሮም ብቐሊሉ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፡ ነቲ የሱስ ኣጸቢቑ ዚፍለጠሉ ሜላ ኣመሃህራ፡ ማለት ምሳሌታት ምጥቃም ክንርኢ ኢና።

a እቶም ገላዉ ተባሂሎም ዘለዉ ኣብ ትሕቲ ስልጣን እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኰይኖም ነቲ ዋዕላ ኣይሁድ ዜገልግሉ እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ።

b ነዘን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ዚርከባ ቓላት እዚአን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ጥራይ እዩ ጠቒስወን። ንሱ ድማ ብቓል (ማለት ካብ ሓደ ንየሱስ ዝሰምዖ ሰብ ወይ ካብቲ ዝተንስአ የሱስ) ወይ ብመለኮታዊ ራእይ ተቐቢልወን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

c ኣይሁድ ንቤተ መቕደስ ዓመታዊ ኽልተ ድሪም ግብሪ ኪኸፍሉ ነበሮም፡ እዚ ገንዘብ እዚ ኸኣ ናይ ክልተ መዓልቲ ደሞዝ ኣቢሉ ዚኸውን ነበረ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “እዚ ግብሪ እዚ ብቐንዱ ነቲ መዓልታዊ ዚቐርብ ዚሓርር መስዋእትን ንዅሉ እቲ ብስም እቶም ህዝቢ ዚቐርብ መስዋእትታትን ዚግበር ወጻኢታት ንምሽፋን እዩ ዚውዕል ነይሩ” በለ።

d ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።